ነቶም ካብ ዶክታተርያዊ ስርዓት ሃገርና ክምልጡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን፡ ነቶም ብኢድ ሕሉፋት እስላማውያን ኢሲስ ሂወቶም ዝሰኣኑን ዜጋታትና ትማሊ ቀዳም ዕለት 09.05.2015 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 18:00 ናይ ሓዘን ስነስርዓት ተኻይዱ። ስነ-ስርዓት ጸሎት ብኣምንቲ ክርስትና ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ክካየድ ከሎ፣ ብኣምንቲ ምስልምና ድማ ኣብቲ ዝተዳለወ ኣዳርሽ ተኻይዱ።


CandlelightVigilFrankfurt 1

ብድሕሪኡ መብዝሕትኦም ተኻፈልቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ብምእካብ ብኣዳልዊት ሽማግለ ዝቐረበ ጽሑፍን ከምኡውን ብተኻፈልቲ ነዚ ሓዘን ዝገልጽ ግጥምታት ካልእ መደረታትን ቀሪቡ።


CandlelightVigilFrankfurt 2 

ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ተሳተፍቲ ንጉዳይ ተቛውሞና ብዘመልክት፡ ኣድማዒን ውጺኢታውን ስራሓትን ኣብ ከተማና ክግበር ዝክእለሉ ምውቅ ምይይጣት ኣካይዶም። ዝሓለፉ ስራሓትና ብግቡእ ገምጊምና ስጡም ኣሰራርሓ ክንገብር ከምዘለና ዲማ ተረዳዲእን። ንቐጻሊ ነዚ ብዘመልክት ጽዑቕ ኣኼባታት ክግበር ናብ ሓባራዊት ሽማግለ ለበዋታት ቀሪቡ።

CandlelightVigilFrankfurt 4

ዓወት ንቃልስና
ውድቐት ብድክታተርያዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና
ተቃውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢን

እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ዝካየድ ፖለቲካዊ ሰሚናር ሮተርዳም፡ ሕጂ’ውን ብዕለት 11 ሚያዝያ 2015 ኣብ ቦታ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከተማ ሮተርዳም፡ ዕዉት ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ ሰሚናር’ዚ መራሕትን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሜድያ ዝነጥፉን ካልኦት ሃገራውያን ባእታታትን ብሓፈሻ፡ ብርከት ዝበሉ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ተሳቲፎሞ።  ኣብ ትሕቲ “ፖለቲካዊ ተረድኦና ዲዩ ወይ ምብዛሕ ውድባት ጠንቂ ግርጭታትና” ዝብል ኣርእስቲ ኣገዳሲ ናይ ምይይጥ ወረቐት በቲ ልሉይ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ድራር ማንታይ ቀሪቡ። ትሕዝቱ ናይ’ቲ ዝቐረበ ናይ ምይይጥ ወረቐት ካእ እነሆ ነቕርብ፦

Forth Rotterdam Seminar Tigringa 1

ፖለቲካዊ ተረድኦና ዲዩ ወይ ምብዛሕ ውድባት ጠንቂ ግርጭታትና

መኣዲ ሰሪዕና ክንበልዕ ይኹን፡ ቡን ሓቢርና ንምስታይ ይኹን፣ ኣብ ሓዘን ኣብ ሓጎስ ንኹሉ ብሓባር ምክፋልን፡ ከምኡ እውን ንተሸገረ ብወፈራ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ልሙድ ባህልና ኢዩ። እዚ ባህሊ እዚ፣ ኪኖ ብልዕን ሓዘንን ሓጎስን ሓሊፉ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ገጹ ንኽብርኽ ግን ኣይሰራሕናሉን። እዚ ክቡር ባህሊ እዚ፣ ዝፈጥሮ መሰረት ናይ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምትእምማንን ብምዝንጋዕና፡ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ህይወትና ከም ፖለቲካ፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ተጸዋዊርካን ናይ ምንባር፡ ዝኣመሰሉ ኣየማዕበልናን። ይኹን እምበር ኣብ መንጎና ጽቡቕ ዝሓስቡን ክፉእ ዝሓስቡን ኣለዉና። ክልቲኦም ድማ ሓደ ዝዓይነቱ ዕላማ ኢዮም ዝጣበቑ። ነየናዮም ኢና ንኣምን? ባህሪ ውልቀሰባትከ ኣብ  ባህሊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ስነኣእምሮኣዊን ከምኡ እውን ንግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት እንታይ እወንታ ወይ ኣሉታ ጽልዋ ኣለዎ።? ሓባራዊ ባህሊ ካብ ሃለወና ናብ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ዘየብጽሕ እንታይ ይዕንቅጸና?
እንታይ ኢዩ ግርጭት?
ግርጭት ምስ ካልኦት ክመሳሰል ዘይክእል ናይ ክብርታትን፡ ተግባራትን፡ ድሌታትን፡ ረብሓታትን ተመርኵሱ ብዝለዓል ፍልልያትን ኣብ ማእከላይ ፍታሕ ክብጻሕ  ዘይከኣለሉ ግዜ ዝምንጩ ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ መዓልታዊ ዘጓንፍ ኢዩ።  ብፍላይ ድማ ኣብ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፡ ወይ እውን ካልእ ዘሎካ እምነታት ዘሎ ፍልልያት ተጻዋርነት እንተዘየሎ ኣብ ግርጭት ክእቶ ናይ ግድን ኢዩ። ግርጭት -ስግኣት -ቁጠዐ፣ ሓንሳብ’ውን ኣብ ጎነጽ ወይ ዓመጽ የድህብ። ግርጭት ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ጥራሕ ዝርአ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ኣብ መንጎ ሃገራትን፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፡ መንግስታትን’ውን ከይተረፈ ይረአ።
ግርጭት ብግቡእ እንተዘይተፈቲሑ ንሰላምን፡ ስምምዕን ውህደትን የፍኩሶ ወይ የላሕልሖ እሞ፡ ናብ ዘይምርድዳእ የበጽሕ፣ ምትእምማን ድማ የጥፍእ፣ ንዝነበሩ ጥዑይ ዝምድናታት ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ይልውጦም።  ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍና ንጉዳያት ይኹን ንነገራት ከመይ ንጥምቶምን ንመዝኖምን፣ ንዝተፈላለየ ተረኽቦታት ንምልላዮም ይኹን ክንኣልዮም ክንዋሳእ ከሎና፣ ነናትና ዝተፈላለዩ  ኣገባባት ስለንጥቀም ኢዩ። ስለዚ ግርጭት  ካብ ንኹሉ ሸነኽ ዘዕግብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ኢዩ ዝረአ።
ግርጭት  እወንታውን ኣሉታውን ወይ ከኣ ኣዕናውን ሃናጽን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኸፈል።
ግርጭት ሃናጺ ዝኾነሉ፦ ንሓባራዊ ረብሓ ምስዝጥምት፡ ምሕዝነት የደልድል፡ ምትእምማን ይፈጥር ፡ ቀጻሊ ርክባት የዘውትር፡ ሓባራዊ ድሌታት ንለውጢ የማዕብል፡ ኩሉ ሸነኽ ክዕወት ዝብል ሓሳብ ምስዘድህብ፡ ናብቲ ሓቅኛ ዛዕባ ምስዘዘንብል፡ ኣሳታፍነትን፡ ሕድገታትን ምስዝቕበል ከምኡ እውን ደቂ ሰባት ንዝተፈላለየ ሓሳባትን መተካእታታትን ኣብ ግምት ንምእታው ይገብር፡
ግርጭት ኣዕናዊ ዝኾነሉ፡- ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ምስዝንቅል፡ ናብ ውልቂ ረብሓ ምስዘድህብ፡ ዝወሓደ ምትዕጽጻፍ ምስዝገብር፡ እቲ ዝጻረሮ ሸነኽ ክሰዓር ወይ ክዓኑ ዝብል ሓሳብ ዝውንን፡ ኣብ ውልቀ መጥቃዕቲ ምስዘድህብ፡ ምፍራራሕ፡ ኮታ ሓፈሻዊ ተግባራት ናይ ጽልኢ ምስዘዘውትር። ነቲ ሓቀኛ ዛዕባ ሸለል ምስዝብሎ፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራሕ እምበር ኣብ ሕድገታት ምስዘይኣምንን፡  ናይ ለውጢ ስግኣታት ምስዝህልዎ፡ ዝምድናታት የበላሹ፡ ርክባት የቋርጽ፡ ሞራል ደቂ ሰባት ይዕኑ።
ነፍሲ ወከፍና እምበኣር ኣብ ውሱን ጉዳያት ናይ ጠቕምናን ሓሳብናን ፍልልያት ስለዘሎና ግርጭት መወዳእታ የብሉን። ይኹን እምበር ንፍልልያት ከመይ ኣማእኪልና እወንታዊ ለውጢ ነምጽእ ክንሓስብ ግን ብምንም ዓይነት ክገትኣና የብሉን።

ባህሪ ውልቀሰባት ኣብ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ኣብ ምፍታሕ ጽልዋ ኣለዎ
1.    ብናትካ ወይ ብጉዳይካ ምሕሳብ ጥራሕ ምግዳስ (ኣግላሊ መንፈስ)፣
2.    ተግባር ጥራሕ፣
3.    ብስነፍልጠት ምግጣም፣

ግርጭት ናብ ንሓባራዊ ዕላማ ዘይምግዳስ የብጽሕ። ሓባራዊ ዕላማ ንወግዕታትና፡ ንመንነትና፡ ንመሰላትና፡ ንሓርነትና፡ ንሓድነትና ክንብል ብሓባር ክንምርሽ ኢዩ ዝሕግዘና። ነዚ ጎሲናዮ እንተኸድና ድማ ሳዕቤናቱ ከቢድ ይኸውን። እንታይ ኢዮም እቶም ናይ ሓባር ዕላማ?

ናይ ሓባር ዕላማ ካብቲ ናይ ሃገራዊ  መቖሚታት ዝምንጩ ኢዩ። ንሱ ድማ፡-
1.    ልኡላውነት (ስልጣን) ህዝቢ፣ ህዝቢ ዝመሓደረሉ ዓይነትን ኣገባብን፣ ዝደልዮ መንግስቲ ምትካልን ንሱ ብዝሰማማዓሉ ሕጊ ንክምስርት ዝለዓለ ስልጣን ማለት ኢዩ። ኮታ ህዝቢ ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣን ክኸውንን፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን።
2.    ልኡላውነት ሃገር (ብዓለም ለኻዊ) ናጽነት ኮይኑ ብኻልእ ደጋዊ ሓይሊ ኢድ ኣታውነት ዘይብሉ ኣብ ውሽጢ ካልኦት’ውን ጣልቃ ዘይኣቱ -እታ ሃገር ነቲ ዶባትን ጉዳያት ውሽጣውን ዓለም ለኻውን ቅርጽታት  ዘካተተ ኮይኑ ንዜጋታት እታ ሃገር ረብሓ ክህልዎም ዘውሕስ ኢዩ።
3.    ሓድነት ህዝቢ፣
4.    ልኡላውነት ሕጊ፣ ሕጊ ጎይታ መንግስቲ፣ መንግስቲ ድማ ባርያ ሕጊ ክኸውን፣
5.    ኤርትራ ብቅዋምን ብዲሞክራስያዊ ሕጊን ክትመሓደር  ..ወዘተ

ነዚ ሃገራዊ መቖሚታት እዚ ንኣምነሉ እንተዀና፣ መንቀሊ ግርጭታትና ክንፈልጥ እንታይ ክንገብር የድሊ? እቲ ቀንዲ ምስጢር ንፍልልያትናን ግርጭታትናን ክንድህስስ ዝዕንቅጸና፡ ሓደ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ግርጭት ኣዕሚቝና ክንፈልጦ ድሌት  ወይ  ቅሩብነት ዘይምህላው ኢዩ። እቲ ካልኣይ ድማ  ነቲ ጠንቂ እናፈልጥናዮ ጎሲና ክንሓልፎ ምድላይና ኢዩ። ክልቲኡ ድማ ነቲ ጠንቂ ገዲፍና ናብቲ ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ከም ነድህብ ኢዩ ዝገብረና። እዚ ከኣ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ነናዲ፣  ጸለመ፡ ምክፋእ፡ ምርሕሓቕ፡ ምቁንጻብ፡ ኣብ ሕሉፍ ምንባር ብምዝውታር ንሓባራዊ ዓወት ገዲፍና፡ ናብ ንጽላዊ ዓወት ገጽና ንጎዓዝ። ከይዱ ከይዱ ድማ ስነ-ፍልጠታውን ሰናይ ስነ ምግባርን ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካ የጥሕለና።
ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ማለት፡ ንዝኾነ ይኹን ሰልፊ ወይ ውድብ ሓይሊ ወይ ኣስገዳድ ከይተጠቕመ፡ ወይ ነቲ ሃገራዊ መቖሚታት ከይጠሓሰ፣ ወይ ኣነ ይበዝሕ ብዝብል ከየደናገረ፡ ምዝልላፍ ከይተጠቕመ፡ ከም ድሌቱ ክዋሳእ እንተንሰማማዕ፣ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ንምፍላጡ ምሓገዘ እሞ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ምተኻእለ። እዚ ግን ከም ድሌቱ ከብሃል ከሎ ፍኑው ክኸውን ማለት ኣይኮነን፣ ገደብ ክህልዎ ይግባእ። ገደብ ክህልዎ ኣለዎ ክበሃል ከሎ ነቲ ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝትንክፍን፡ ንሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኽምን ኮታ ኣንጻር ሃገራዊ መቖሚታት ክኸውን የብሉን ማለት ኢዩ።
ግርጭት ምፍታሕ፡- ርእሱ ዝኸኣለ  ኣቓልቦን ነቲ ኣብ መንጎ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብ መንጎ እቲ ዘድለ ዕላማን ዘሎ ጋግ ንምእላይ ዘብጽሕ መስርሕ ኢዩ። እዚ ከኣ፣ በቲ ነቲ ዕላማ ብግሁድ ዲዩ ወይ ዘይግሁድ ዓንቃጺ ተራ ዘለዎ ባእታ ኣለሊኻ  ዝፍጸም  ኢዩ። ብኡ መጠን ድማ ኣብ ሓቂ ደው ብምምባል ነቲ ንኩልና ዘርብሕ ጉዳይ ክንጥምት ይግባእ። ስለዚ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ፖለቲካዊ ዓዘቕቲ ከመይ ክንውጽእ ከምዘለና ክንሓስብ ናይ ግድን ይኸውን። ንሱ ድማ ካብ ስሚዒታውን ጦብላሕታውን ዝዓብለሎ ሕልና ናጸ ብምኻን ንፖለቲካውን ስነሓሳባውን ፍልልያት ብቐጻልን ርትዓውን ዝኾነ ክትዕን ብግልጺ ምግላጽን ኢዩ ዝፍታሕ።  ብተውሳኺ ኣገዳሲ ነጥቢ ንሕና ኣብ ነፍስና ለውጢ ምስ ንገብር ኢዩ ለውጢ ክመጽእን ፍታሕ ክርከብን ዝከኣል። ሎሚ ንፍልልያትናን ግርጭታትናን ኣብ ምልላይ እንተዘይተሰማሚዕናን፡ ክንኣልዮም እንተዘይበቒዕናን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ንእቶ ምባል ኣብ ምንታይ ዓዘቕቲ ክሸመና ኢዩ ፉሉጥ ኣይኮነን።
ግርጭት ሓሙሽተ መድረኻት ኣለዎ፦
1.    መቕድም ናይቲ ግርጭት፡- ኣብ ክሊ ፖለቲካዊ ተረድኦ፣ ረብሓታት፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ፍልልይ ዝረአ ኢዩ።
2.    ቃታ ዝሰሓበሉ ኩነት፣
3.    ተበግሶታት፣
4.    ናይ ምፍላይ መድረኽ፣
5.    ናይ ፍታሕ መድረኽ፡- ግርጭት ናብ ዘብጸሓካ የብሉን። ስለዚ ደቂ ሰባት ሕድገታት ክኣምኑን  ነቲ ግርጭት ድማ ክፈትሕዎ ድሌታት ምውናን። እዚ መድረኽ እዚ  ነቲ ግርጭት ንምፍታሕ ዝተፈላለየ ምርጫታት  ዝግንዘበሉ ወይ ዝርከበሉ ወይ ዝድህሰሰሉ ኢዩ።

ከምቲ (ዋትዛላዊክን ቢቨኒን ጃክሶንን) ዝበልዎ፡ “ብዛዕባ ግርጭት ክንርዳእ እቲ ርኽክብ ክንርዳእ ይድሊ”።  ኣብ ነንሓድሕዱ ሕኒን ምባል ናብ መደምደምታ ፈጺሙ ኣየብጽሕን ኢዩ። ስለዚ ምይይጥን፡ ዝርርብን ዝሓሸ ኣገባብ ኢዩ።
ርኽክብ ፡- ግርጭት ምስ ዝህሉ ብመገዲ ርኽክብ ኣቢሉ ኢዩ ክረጋገጽን ክገለጽን ዝከኣል። ርኽክብ ማለት ደቂ ሰባት ንዘለዎም ዘይምስምማዕን ወይ ፍልልያትን ዝገልጽሉ መስርሕ ኢዩ። ርኽክብ ንግርጭት ብዓወት ዝእለየሉ  ወይ ከኣ ዝብእሰሉን ናብ ኣሉታዊ ውጽኢት ዘድህብ መኣዲ ይሰርዕ። ስለዚ ደቂ ሰባት ኣብ ዝራኽብሉ ክልተ ነገራት ይረኣዩ። ንሱ ድማ -
1.    ኣዕጋቢ ባእታ      
2.    ምትእስሳራዊ ባእታ
እዘን ክልተ ባእታታት እዚኤን ኣብ ናይ ሕድሕድ ርክብ ዝተጣመራ ኢየን።
ኣዕጋቢ ባእታ ፡- ወድዓዊ ፡ ብሩህ ወይ ክረአ ዝኽእል ጭቡጥ ማለት ኢዩ-
ምትእስሳራዊ ባእታ፡- ናይ ተሳታፋይ ርእይቶ። ንኣብነት፡ ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ ዘዕዉት ኣይኮነን - ርኡይን ኣዕጋቢ ባእታ እውን ኢዩ። ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ ኣዓዋቲ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን ከኣ ነዚ ክመይ ይገልጾ ብዙሕ ትርጉም ክህቦ ይከኣል። ኣብዚ ናይ ክልቲኦም ዝምድና ሓርፋፍ ምስ ዝኸውን፡ ምትእምማን ጠፊኡ ምጥርጣራት ይሰፍን። (ጉዳይ ቁጽጽር ኮንትሮል-ጉዳይ ጸጊዒነት፣ ጉዳይ ክብሪ ወይ ዝና ) ዝሓወሰ ይኸውን።

ስለዚ ርክብ ወሳኒ ኢዩ። ግን ርክብ ኣብ ዝካየደሉ ድማ ነዘን ዝስዕባ ክነስተብህል ይግባእ፡-
1.    መሳጥን ዓዳምን ክኸውን ኣለዎ።
2.    ምስ ካልኦት ኣብትዛተየሉ ንዘረባኻ ይኹን ኣገባብ ኣዘራርባኻ ፍሉይ ሓልዮት ክህልወካ ኣለዎ።
3.    ዋላ እውን ምስቲ መላዝብትኻ እንተዘይተሰማማዕካ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምድፍፋር ወይ ምጉብዕባዕ ምውጋድ።
4.    ኩሉ ግዜ እሩም ቃላት ግን ከኣ ብዘዕግብ ኣገባብ ምዝራብ።
5.    ብፍሕሽው ገጽ ሰላምታ ሃብ (ንነብሪ ሕቐፍ)
6.    ንመልሓስካ ተቖጻጸር፡ ንናይ ካልኦት ስሚዒታት ይኹን ክብሪ ዝትንክፍ ቃላት ዘይምውታር።
7.    ካብ ብዕሉግ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ተቖጠብ።

ኩልና ኣብዚ ገዛ ዘሎና ነዚ ሎሚ ወሪዱና ዘሎ ፍልልያት ይኹን ግርጭታት ከምዚ ኢልካ ክቕጸል ኣይከኣልን ኢዩ፡ ነዚ ሽግር እዚ ክንፈትሖ ኣሎና ኢልና ንሓስብ ኢና። ምኽንያቱ ነዚ ግርጭታት ይኹን ፍልልያት ንምእላይ፣ ንሕና ምስ ጭቁን ህዝብና ኰና ንጉዳይ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋና ክንኣሊ ዝለዓለ ልኡላውነት ስለዘሎና። ነዚ ከኣ ብሓባር ኰና እምበር ብተናጸል ፍታሕ ክነመጽእ ወይ ናብ ፍታሕ ክንበጽሕ ክምዘይከኣል ክንኣምን ይግባእ። ናብ ሓባራዊ ፍታሕ ንምብጻሕ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ምግንዛብ ከድሊየና ኢዩ፡-
1.    ናይ ሓባር እምነት ምምዕባል
2.    ቅኑዕ ሓበረታ ምውናን፡-
3.    ክንፈልጦ ዘሎና ጉዳይ
4.    ክነተግብሮ ዘሎና ጉዳይ

ናይ ሓባር እምነት  ምምዕባል፡-
ኩልና ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና  ብዙሕ ኣይንፈላለን ዘጠራጥረና ውን የለን። ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና ሓባራዊ ሃገራዊ እምነት እንተዘየማዕቢልና ግን፡ ንረብሓ እታ ሃገር ብኹሉ መቖሚታታን ክውነታታን ዝተወህሃደትን ዝሰመረትን ክትከውን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ኣብ ትሕተ ሃገራዊ ረብሓታት ኢና ክነድህብ። በብናትና ምስጓም ድማ ሓንቲ ዝሰመረት ሃገር ኣብ ምምስራት ሃሳዪ ግደ ክጻወት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ተሳትፎ ህዝቢ ከምዘይዕድምን፡ ህዝቢ ዝደልዮን ዝመርጾን ውጽኢት ክህብ ከምዝይክእል ድማ ርዱእ ኢዩ።  ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ኰና ኣብ እንዋሳእሉን፣ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ዝጥርንፈናን ዝተሓቛቝፈናን ጽንሰ ሓሳብ ሒዝና ንዝተፈላለየ ፖለቲካ እንተሰዓብናን፣ ዝተፈላለየ ሃይማኖት እንተኣመንናን፣ ናይ ዝተፈላለየ ብሄራት ወይ ኣውራጃታት ኣባላት እንተኾናን፣ንሓንቲ ሃገር ክንሓስብ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሓባር እምነትን ዓላማን ክህልወና ናይ ግድን ኢዩ። ንሱ ድማ እቲ ጌጋን ቅኑዕን፡ ሓሶትን ሓቅን፡ ጽቡቕን ሕማቕን ንምልላይ ዝሕግዘና ሞራላዊ ስነ-ምግባር ክንክተል ግዱዳት ኢና። እቲ ግርጭት ዝለዓል ድማ ነዚ ዝተጠቕሰ ስሒትና ክንጎዓዝ ምስ እንጅምር ኢዩ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ። እዚ ከኣ ካብቲ ‘’ንዓኻ ክሕብሕቡኻ እትደሊ ንኻልኦት እውን ሓብሕብ’’ ዝብል ተረድኦ የስትሕተና እሞ፡-
-    ነቲ  ጌጋ ዝኾነ ንኸይእረም፣
-    ነቲ  ኣስጋኢ ዝኾነ ብግዚኡ ንኸይዕገት፣
-    ነቲ ዓዳሚ ዝኾነ ሓሳብ ንኽንጸግ (ቅቡል ንኸይከውን፣
-    ነቲ ዝተሳሕተ ጉዳያት ንኸይስተኻኸል ወይ ክይልቀብ፣
-    ነቲ ዝጎደለ ሓሳባት ንኸይምላእ ገይሩ ንኹሉ ብጸቢብን ብጥርጠራን ንምርኣይ ይደፋፍኣና።

ቅኑዕ ሓበረታ ምውናን፡-ቅኑዕ ሓበረታ ብመናፍሕ ክብረዝ ከሎ ነቲ ጠንቂ ንኽይፍለጥ ከም ዝሽፈን ይገብሮ እሞ ቅኑዕ ሓበረታ ንኸይንውንን ይዓግት። ሓደ ካብኡ ግጉይ ሓበረታ ምስናቕ ኢዩ። ግጉይ ሓበረታ ድማ እቲ ጽቡቕ ድሌታት ብሕማቕ ድሌታት ይዕብለል። ነቶም ጽብቕ ዝሓስቡ ሰባት ነቲ ሓሳባቶም ኣብ ክንዲ ምማይ ብቐጥታ ሓሳባቶም ዝለምሰሉ  ወይ ዝመኽነሉ ዘይቅኑዕ ሓበረታ ይዝርጋሕ። እዚ ከኣ እቶም ተመሳሳሊ ጽቡቕ ሓሳባት ዘለዎም ከይዛመዱ ይዓግቶም። ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበረታ ምስ ዘይንውንን ድማ ንወግዕታትናን ንሓባራዊ ጠቕምታትናን ረብሓታትናን ዝጻረር ክሳብ ኣብ ምድጋፍ ይበጽሓና። ከምኡ እውን ነቲ ቅኑዕ ሓበረታ ብዝሽፍን ኣገባብ ኣጸባቢቕካ ዝፍኖ ሓበረታ  ብቐሊሉ  ከም ንኣምን ወይ ከም ንደናገር ይገብረና። በዚ ድማ  በቶም  ነቲ ቅኑዕ ሓበረታ ሸፊኖም ጽቡቕ ዝዛረቡ ንስለብ እሞ  ንጨቋኒናን ሃሳይናን ዝኾነ ሓሳባት ከይተረደኣና ንድግፍ።
ክንፈልጦ ዘሎና ጉዳይ፣ መትከላት ናጽነት ክንፈልጦም ኣሎና። መትከላት ናጽነት ድማ ብሩህ ኢዩ። ንሰብ ኣይትጉዳእ፡ መሰል ካልኦት ሓሉ፡ ክብሪ ደቂ ሰባት ኣይትተንክፍ። ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ግሉጽነትን…ወዘተ
    ውጽኢት ናይቲ ፍታሕ ኢልካ ዝቕረብካዮ መደብ ከመይ ከምዝመስልን ምምሕያሽ የድለዮን ኣየድልዮን ምግምጋም ከም ዘድሊ ምፍላጥ።
    ነቲ ግርጭት መዕለቢ ንኽግበረሉ ኣብ ፍልጠትን ሰናይ ስነ-ምግባርን ዝተመርኮሰ ትግባሬን ግምገማን ንኹሉ ብማዕረ ዘደቓቕስ  ነቲ ግርጭት ዝፈትሕ ጽንሰ-ሓሳብ ዲዩ ኣይኮነን ምግንዛብ።
    ፍልልያት ወይ ግርጭት ብጥበብን ብልሓትን እምበር ብጽልእን ባእስን ቅርሕንትን ቅኑዕ ፍታሕ ክምዘይርከብ ምስትብሃል።
    ዕላማን ውጽኢትን ክሳብ ዝወሃሃድ ምክእኣልን ስልጡን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክንጥቀም ምሕሳብ
    ናይ ሓሳብ ፍልልይ ንዝሓሸ ኣማራጺ ፍታሕ ወይ መዕለቢ ዘመንጩ እምበር ከም ኣዕናዊ ወይ ኣፍራሲ ክረአ ከምዘይብሉ ምፍላጥ
    ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን፣ እምነትን፡ ከምዘለዎ ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገራዊ ጉዳያት ግና ካብ ሰልፋዊ ውድባዊ ኣመለኻኽታ ናጻ ኰና ብሓባር እንምርሓሉ ሓባራዊ ሃገራዊ ፖሊሲን ሕግን ምቕራጽ ክሳብ ዘይተሰማማዕና ኩሉ ዝግበር ፈተነታት  ኣግላሊ መርሆ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

ክነተግብሮ ዘሎና ጉዳይ፡-ነቲ ጠንቂ ናብ ግርጭት ወይ ፍልልያት ዘብጸሓና መሚና ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኡኡ ምስ ፈለጥና ኢና ነቲ ኣሎ ዝበሃል ፍልልያት ንምፍታሕን ንምንጻርን ክንዋሳእ ዘሎና። ይኹን እምበር  ቅድሚ ናብ ፍልልያት ምፍታሕ ምውሳእና ንቑሕን ርትዓዊ ዝኾነን ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ምድላዋት ምግባርን ንረብሓ ኩሉ ዝእምት ፍታሕ ምንዳይ ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ።  ነቲ ጠንቂ ናይቲ ግርጭት ኣነጺርና መሚና ክንፈልጦ እንተዘይክኢልና ወይ ክንፈልጦ ድሌት እንተዘይብልና ነቲ ግርጭት ክንኣልዮ ወይ መዕለቢ ክንገብርሉ ክንጻገም ኢና። ስለዚ ከይተረደኣና ኣንጻር ናጽነትን፡ ሰላምን፡ ስኒትን ካብ ምዃን፣ ልቦናን ብልህነትን ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ክንውንን  ይግባእ። ነዚ ከኣ ነፍስና ብምልዋጥ ኢና ክንበጽሖ እንኽእል።  ከምዚ እንተዘይገርና መሰረት ናይቲ ዘገራጭወናን ዝፈላልየናን ዘሎ ጉዳይ ክነጽንዖን እወንታዊ መዕለቢ ክንገብረሉ ኣይክንክእልን ኢና። ስለዚ
ክልተ ነገር ክንገብር የድልየና፡-
-    ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና ንዝመጽእ ኣሉታን ሓደጋታትን ክንከላኸል፡
-    ነቲ ሕማም ምፍዋስ እቲ ሕሙም ክድሕን።
ናብዚ ንምብጻሕ ከኣ፡-

1.    እቲ ግርጭት ወይ ፍልልያት ኣነጺርካ ምግላጽን ምፍላጡን።
2.    ነቲ ፍልልያት ናይ ምግምጋሙ ቅጥዕታት ምውሳን።
3.    ነቲ ፍልልያት ፈሊጥካ ዝርከብ ፍታሕን መተካእታታትን ምፍላይ።
4.    ነቶም መተካእታታት ክኾኑ ዝበልካዮም ምግምጋም።
5.    ካብቲ ኩሉ ዝተኻየደ መጽናዕትታት ድማ ነቲ ፍልልያት ወይ ግርጭታት ዝፈትሕ ምምራጽ።
6.    ነቲ ዝተመርጸ ፍታሕ ኣብ ግብሪ ምውዓል።
ኣብ መድምደምታ ከም መሳርሒ ዘገልግለና፡-
1.    ሓደ ምቕሉልን ተጽዋርን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዘእንግድ ባይታ ምፍጣር።
2.    ዲሞክራሲያዊን ኣሳታፍን ዝኾነ ቅርጻ ክምዕብል ምግባር
3.    ንዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ጉዳይ ሓባራዊ ምስንዳኣትን ኣስታፍነትን ተሓባብርነትን ከምዘድሊ ምእማን።
4.    ኣብ ቀዋሚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓተ ሕጊ ዘብጻሕና መንገዲ ምትላምን ምስምማዕን
5.    ንህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝጠምር ሕጊ ምንዳይ
6.    ኣብ ስነ-ፍልጠታውን ስነምግባርን ዝመልኦ ፖለቲካ ክንምርኮስ ምጽዓር።

ኣብ መወዳእታ ናይ ፖለቲካ ስነሓሳብ ንድሕነት ሃገር ክንብል ከሎና ምስ ካልኦት ሓይልታት ለውጢ ምውህሃድን፣ ንሃገራዊ መንነትን ሃገራዊ ፍቕርን ሃገራዊ ስምዒትን ዘይጎድእ ውድባዊ ስነስርዓት ኣመቻቺእና ህይወት ወይ ቀጻልነት ዘለዎ ቅርጻ ክነትሕዞ ምስ እንበቅዕ ኢዩ።

      ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙን የመስግን


ኣቶ ድራር ማንታይ፡ እዛ ኣገዳሲት  ናይ ምይይጥ ፖለቲካዊት ወረቐት፡ ምቕራብ፡ ተሳተፍቲ ሰሚናር ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ኣቕሪቦም። ኣቶ ድራር፡ ነቲ ዘቕረቦ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ስነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝሓዘለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ብጹሑፍ መልክዕ ብክልቲኡ ቋንቋታት (ትግርኛን ዓረብኛን) ምቕረቡ ኣመጊሶም። ብዛዕባ እታ ወረቐት ሓዚላቶ ዘላ ሓሳባት ብዝምልከት፡ ዝተፈላለየ ሃናጺ ርእይቶታት ቀሪቦም። ገለ እቲ ጸገም ኣብ ፖለቲካዊ ርድኢታትና ኢዩ ክብሉ ከለዉ፣ ገለ ድማ፡ እቲ ጸገም ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ብዙሑነት ኢዩ ዝብሉ ነበሩ። ብሳልሳይ ሸንኽ’ውን እቲ ጸገም ኣብ’ቲ ክልትኡ ምኽንያታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ዘስዕቦ ጸገም ኢዩ ክብል ሓሳብ ቀረበ።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ካብ’ቲ ብቱኽረት ዝተራእየ ጉዳይ፡ ዕዮ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ጽላላት ዝሰርዕ ሕጋዊ መለክዒታትን ቅርጻ ሕግን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ ዝብል ጉዳይ ነበረ። እዚ ምስ ዝህሉ፡ ኣባልነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ክትቀበልን ክትነጽግን ይከኣል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ባይታ ንዘየለዉ ሓይልታት ካብ ምቕባልን፣ ውልቃዊ ጸቢብ ጠቕምታት ንከረጋግጹ ንዝህቅኑን ካብ ምቕባል’ውን ንድሕን። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዲሞክራስያዊ ዘተን ልዝብን ክንገስ ከም ዝግበኦን፡ ኩሎም ሓይልታት ነዚ ከም መርሆ ተኸቲሎም ካብ በበይንኻ ተነጺልካ ምስራሕ ክናገፉ ዕዙዝ ተዳልይነት ከም ዘለዎ ኣኼብኛታት ኣስሚረሙሉ። ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዕላማታቱ ከዐውት ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ “እንተ ዘይደኒንካ፣ ክሓኽረካ ዝኽእለ ፈጺሙ የለን” ከም ዝበሃል ፡ ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ካብ ሕጂ ኣትሒዙ ክሕሉ ከም ዘለዎ’ውን ተገሊጹ።

ምስ ሃገራዊ ሰላምታና !!
ኣዳላውቲ ኣኼባ

FrankfurtCandleVigil

ብምኽንያት ናይዞም ሎሚ ቅነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለውን፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሃገረ ሊብያ ዝቕተሉ ዘለውን ኤርትራውያንን ካልኦት ዘጋታትን ንቐዳም ዕለት 9.05.2015 ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ 18:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅዱስ ሚኪኤል ቤተ-ክርስትያን (ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ) ናይ ሓዘን መደብ ክግበር ስለዝኾነ ኩሉኹም ብህዝብኹም ትግደሱ ኣብኡ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም።

St. Michael  Kirche, Zentrum für Trauersorge

Butzbacher Str. 45

60389 Frankfurt a. Main

ሓበረታ ኣድራሻ

ካብ ኮንስታብለርዋኸ (Konstablerwache) ብኣውቶቡስ ቁጽሪ 30 ወይ ዲማ ብስትራሰንባን ቁጽሪ 18 (Strassenbahn 18) ሒዝካ ኣብ ኒብሉንገስፕላትስ (Nibelungenplatz) ወሪድካ ሚኢቲ መተር ከድካ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ።

ብድሓን የራኽበና

ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢ

ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝውረ ኩሉ ዘሻቕል እምበር፡ ዘሕጉስን ተስፋ ዝህብን ካብ ዘይከውን ነዊሕ ግዜ ኩይኑ እዩ። ጸገምን ሓደጋን ኣባና ጥራይ ዝፍጠር ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ከባብታት ዓለም ዘጋጥም እዩ። ናትና ካብቲ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ፡ መለሳ ዘየብሉ ኩሉ ግዜ እህህህ ምዃኑ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት “ከምዚ ዓይነት ተፈጥሮ ወይ ሰብ ዝሰርሖ ጸገም ኣጋጢሙ” ዝብል ወረ ትሰምዕ እሞ፡ ቅንይ ኢልካ ኸዓ “ኣብታ ሃገር ምርጫ ተኻይዱ፡ እሱራት ተፈቲሖም፡ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ተመስሪቱ፡ ክንድዚ ነጻ ሚድያ ኣሎ … ውዘተ” ዝብል ልብኻ ዝመልስ ገለጻታት ከዓ ትሰምዕ። ዜጋታት ናይዘን ከምዚ ዝውረየለን ሃገራት ድማ እቲ ናይ ቅድም ጓሂኦም ብኸምዚ ዳሕረቃይ ወረታት ይድበስ። መለሳ ሓዘን ሓጐስ ይረኽቡ ማለት እዩ። ንሕና ግና እነሆ ሕልናና መለሳ ብዘየብሉ፡ “ ብውድባት ሓሸውየ የለን፡ ኣብ ማይሓባር ስንኩላት ተረሽኖም፡ ጉጅለ 15 ተሰዊሮም፡ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም፡ ናይ ብሕቲ ፕረስ ተወጊዱ፡ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርስቲን ተዓጽዩ፡ ተመሃሮ ናብ ግዱድ ውትህድርና ተገፊፎም፡ ኣንጻር ጐረቤት ሃገር እገለ ውግእ ተኸፊቱ ዝምድና ድማ ተቋሪጹ፡” ብዝብል ዕረፍቲ ዘይህብ ሕማቕ ዜናታት ክንናወጽ ኢና ጸኒሕና።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ግናይ ተግባራት ናብ ራህዋ ከም ዝተቐየረ ዘበስር ወረታት ክንሰምዕ እንዳተተስፈና፡ “ክንድዚ መንእሰያት ኣብ ዶብ ተረሽኖም፡ ክንድዚ ስደተኛታት ኣብቲ ዝተዓቆብሉ መደበሮም ብዝተፈጥረ ግጭት ተሃስዮም፡ ናይ ክንድዚ መንእሰያት ውሽጣዊ ኣካላት ተመዝሒቑ ተሸይጡ፡ ደሓር ድማ ክንድዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ባሕሪ ሃሊቖም” ዝብል ዝገደደ ወረታት መናብርትና ካብ ዝኸውን ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ። ነዚ ናይ ለማቕነ ናይ ሊቢያን ባሕሪ መዲትራንያንን ኣበሳ ክንውስኸሉ እንከልና ከዓ መሊሱ ዘቖጥዕን ዘደንጹን ወረ ኮይኑና ከም ዘሎ ነስተማቕሮ ኣለና።

ኣይኮነንዶ ዜጋኻን ወገንካን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ጸገም ኣጋጢሙ ክበሃል እንከሎ፡ ከም ሰብ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር ከምዚ ወሪዱ ክበሃል እንከሎ ክንስብድን ክንድንግጽን ባህርያዊ እዩ። ስንባደና ድማ በብውልቂ ሒዝናዮ እንሕቆን ዘይኮነስ ብሓባር ኮይና ክንዝክሮን ምረቱ ከነስተማቕርን ንቡር እዩ። ከምዚ ሰብ ሞይቱ ክበሃል እንከሎ ኣብ ቀብሪ እንእከብ። እነሆ ከዓ እዚ ናይዚ ሰሙናት ኣሃዛትን ኣስማትን እንዳተጠቕሰ ኤርትራውያን ኣብ ሊቢያ ተቐንጺሎም፡ ክንድዚ ድማ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም ክስማዕ እንከሎ፡ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽትታት ክንዝርግሕን ከከም ኩነታትና ዳሳት ተኺልናን ሽምዓታት ኣብሪህናን ክንዝክሮምን ክንበኽየሎምን ንውዕል ኣለና። እዚ ንቡር ናይ ሓዘን መግለጺ ስርዓታት ከምቲ ባህልናን ወግዕናን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክካየድ ዘይምኽኣሉ ከዓ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ዝድርብ ኩነታት እዩ።

መልሲ ናይቲ ንስሙ መንግስቲ እንዳተባህለ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ንኤርትራ ዝውክል ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ተረኽቦ መልሱ እንታይ ከም ዝኸውን፡ ንተረኽቦ ላምፓዱሳ ወሲኽካ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንፈልጦ እዩ። ነቶም ግዳያት ዋላ ንቓለ ዓለም ካብ ክሳድ ንላዕሊ ከም ዘይግደሰሎም ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዘይዝክሮም ፍሉጥ’ዩ። እንተኾነ እቲ ጉዳይ ስለ ዘገረመካን ዝሕደሰካን “ሎሚ እውን ስቕ ድዩ ክብል” ትብል እሞ ዝበሃል እንተልዩ ክትሰምዕ ትጸናጸን። ኣጸናጺና ከዓ። ኩሉ ተሪፉስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ቀይሕ ራዕዲ ኣብ ኢትዮጵያ ይግበር ነይሩ ዝበሃል፡ ወለድን ቤተሰብን ግዳያት ሓዘኖም ከይገልጹ በቲ ጉጅለ ከም ዝተኸልከሉ ዝሕብር፡ ኣብ ልዕሊ ሓዘን ሓዘን ዝውስኽ ወረታት ኢና ንሰምዕ ዘለና። ካብ ተመኩሮ ከም እንዕዘቦ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ሃገሮም ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ህልቂት ከጋጥም እንከሎ፡ መገሻኦም ኣቋሪጾም ናብ ሃገሮም ይምለሱ፡ ካልእ ኣጀንዳታቶ ዓጺፎም ድማ ኣተኩሮም ናብቲ ሓድሽ ተረኽቦ ይኸውን። ጉጅለ ህግደፍ ግና ያኢ ዓራቓይ ኮይኑስ ሕማቕ ምስሉ ሓቢኡ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ክራኸብን ብጉዳይ የመን ናብ ስዑድ ዓረብያ ክገይሽን ኢና ተዓዚብና። እዚ ጉጅለ ሓንሳብ መንገዲ ጥፍኣት ስለ ዝመረጸ፡ ንጭንቅን መከራን ኤርትራውያን ዋጋ ተዘይሃቦ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስ መንነቱ ዝኸይድ ተግባር ንሱ ስለ ዝኾነ። ምናልባት እቲ ዘገርም ናትና መንነቱ ብተደጋጋሚ ነጊሩና ክነሱ ካብኡ ንቡር ሓልዮት ምጽባይና እዩ።

ከም ዝተኸታተልናዮ እቲ ጃምላዊ ህልቂት በቲ ናይ ላምፓዱሳን ካለኦት ንኡሳን ህልቂታትን ኣየብቀዐን። እነሆ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዝኸፈአ መልክዑ ኣጋጢሙ። ኣብ መጻኢ ናይ ምቕጻሉ ዕድል እውን ክፉት እዩ። ስለምንታ እቲ ናይዚ ኩሉ መከራ ጠንቂ ኣብ ቦታኡ ስለ ዘሎ። ስለዚ ምሕዛናን ሓድሽ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምስማዕናን ንቡር ኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ግና እዚ ኣይኮነን። እቲ መሰረታዊ መፍትሕስ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምንጻፉ ጥራይ እዩ። ብናትና ኣረዳድኣ እቶም ጠንቅታት ብዙሓት ኮይኖም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እዩ። እቲ ክውገድ ዝግበኦ ከዓ ንሱ እቲ ሃንጎሊማ ጉጅለ እዩ።

እዚ ተረኽቦ ናትና ናይቶም ሰብ ጉዳይ ጥራይ ኮይኑ ዝግደብ ኣይኮነን። ካለኦት በዚ ጉዳይና ዝጽለዉ ኣካላት’ውን ኣለዉ። እዞም ግዳያት ካብ ሃገሮም ምስወጹ ኣብቲ መጀምርያ ዝዕቆብለን ሃገራት፡ ናብቲ ዘይውሑስ መገሻ ከምርሑ እንከለዉ ዝሓልፉለን ሃገራትን ናይ መወዳእታ መዕለቢኦም ገይሮም ዝሓስብወን ሃገራትን ኩለን በዚ ዝጽለዋ እየን። እቲ ጽልዋ ኣብ ቁጠበአንን ጸጥታአንን ዘሕድሮ ኣሉታዊ ኣሰር ሰለ ዘሎ ከዓ የሻቕለን እዩ። ካብዚ ነቒለን እቲ ጠንቂ ክፈልጣ እሞ ካብ መንቀሊኡ ንምንጻፉ ክነጥፋን ክሓስባን ድማ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካብ ኤርትራዊ ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ ከካብ ናተን ህድኣትን ርግእትን ነቒለን ነዚ ኣጀንዳና ኣጀንዳአን ገይረነኦ ኣለዋ። ኣፍሪቃ ግና እናሻዕ “ክንድዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሃሊቖም” ተባሂሉ እንዳተነግረ እንከሎ ብስም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድሂ ድምጺ ኣይሰማዕናን። ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ንዕዘቦ ከም ዘለና እዘን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጠንቂ ናይቲ ዘሰንብድ ዋሕዚ ዝብለኦ፡ ካብቲ ንሕና ጠንቂ እንብሎ ዝተፈልየ ይመስል። ኣብዚ ካብ ተፈላለና መፍትሒ ኣብ ምቕራብ እውን ክንፈላለ ውሁብ እዩ።

እዘን ሃገራት ናይዞም ስደተኛታት ቀንዲ ጸገም እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ሞራላውን በደል ዘይኮነስ ቁጠባዊ ጸገም እዩ ናብ ዝብል ኣድሂበን፡ ነቲ ጸገም መሊሱ ነቲ ጉጅለ ብዘሰውድ መንገዲ ክፈትሐኦ ዝደለያ እየን ዝመስላ። ንጉጅለ ህግደፍ እልቢ ዘየብሉ ገንዘብ ከሕቁፈኦ’ሞ ንሱ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ነዚ ካልእ ዝመንቀሊኡ ስደት ክዓግቶ። ብዘይ ቃለዓለም እዘን ሃገራት ጌርና ንምባል ተዘይኮይኑስ ፍታሕ ከምጽእ እዩ ካብ ዝብል ከምዘይኮነ ምርድኡ ዘጸግም ኣይመስለናን።

በቲ ኮነ በዚ እቲ መሰረታዊ ናይ ምቕያር ሓላፍነት ኣብ እንግደዓ ኤርትራውያን ተጻዒኑ ዘሎ እዩ። ካለኦት ወገናት ካብ ነናቶም ሕሳብ እንዳነቐሉ ናብ ኤርትራ ገጾም ዝድርብይዎ ኣእማን ነቲ ንሕና ከም ሰብ ዕማም ዝያዳ ዝምልከተና’ሞ ክንዓሞ ዝግበኣና ዝሕግዞ እምበር ፍጹም ዝትክኦ ከም ዘይኮነ ክንዝግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ሓደ ነገር ምስ ኣጋጣመ ንሓዝኖን ሽምዓ ኣብሪህና እንጽልዮን፡ ንግዝያዊ ሕርቃና ዘዕግስ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ብዛዕባቲ መሰረታዊ ፍታሕ ክንሓስብ ዘዘኻኽር ደወል ግና ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ፍታሕስ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልካ ነንነብኻ ምሕታት እሞ ናይዚ ሕቶ መልሲ ክትረክብ ምብጋስ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከዓ “ድሕሪ ምብራህ ሽምዓኸ?” ንብል ዘለና።

30 መጋቢት 2015

ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ንማሕረዲ ብደዓሽን ቅዝፈት ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ብልዑል ኣገባብ ብሽምዓ ቅሰኑ ኢሎም ዘኪሮሞም ኣምስዮም።

 CandleVigilGuthenberg 1
ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ንመሪር ተረኽቦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ብደዓሽ ጥሩፍ ጉጂለ ዝተፈጸመ ማሕረድን ቅልቂት 350 ኣሕዋት ኤርትርውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን መሪር ሓዘኖም ምግላጽን ንዝኽሪ ክብሮም ቅሰኑ ዝበል ብሽምዓ ወሊዑ ንምዝካሮም ካብ ሰዓት 15.00 ክሳብ ሰዓት 14.00 ኣብ ሓዲ ሎካሎም ኤርትርዊ ባይሊ ማእከል ኣብ ባካቨገ ቁ.7 ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት  ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ቅሰኑ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 15.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መግለጺ ሽማገለ ማሕበር ባቦወንበር ተነቢቢ ሲዒቡ ከም ኣሕዋት ነዚ ተርኺቡ ዘሎ መርሪር ተርኽቦ ነዛ መራር ቀዛፉት ወርሒ ሚያዝያ ጸላም ወርሒ ብመለርታ ንወለድን ስድራቤትን ጽንዓንት ንዓን ከም ኤርትርውያን ከኣ ካብኡ ተማሂርና ብሓድነት ነት ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ዝኾነ ኣረሚን ስርዓት ህግዲፍ 100% ናይ ህዝቢ ዘይምኻኑ ዘረጋገጾ ክሳብ ሎሚ ብኦም ከይተዛረበ ፡ ንዝሓዘኑ ወለድን ስድራቤትን ዝኣስር ዘሎ ነውራም ስርዓት ኮኒኖም።  ቀጺሎም ብሓደ ነዚ ወርድና ዘሎ ዓለም ብዓለሙ እና በኸየ መንግስቲ እየ ዝብል ብህዝቦ ዘጋታቱ ዘይዛረብ ዘይ ዘይዝክርን ንደገፍቱ ንምግጣም ኢድ ኣኢድን ሓሳብ ንሓሳም ተዋሃሂድና ብሓባር ክንቃልስ ዝብል ሓባራዊ ስምምዕ ቃል ኣትዮም  በብሓደ ሽምዓ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።

CandleVigilGuthenberg 2

ተቐማጦ በይ አርያን ከባቢኡን ኣብ ሰንበት 26 ሚያዝያ ስዓት 6. ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ሊብያን ሂወቶም ዝሳኣኑ ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ናይ "መብራህቲ ሽምዓ" ዝኽሪ መደብ ኣካይዶም። እዚ መደብ በዚ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ በይ አርያ ኣብ ሓደ መድረኽ ጠርኒፉ ዝዋስእ ዘሎ ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ) ዝተዳለወ እዩ ኔሩ። ልዕሊ 170 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ግዱሳት ኣባላት ማሕበረስብ ዓለምን ኣዴታትን ኣቦታትን ደቖምን በዚ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተሰመዖም ሓዘነን ጓህን ንምግላጽን ንሓድሕድ ንምጽንናዕን ብሓደ ተረኺቦም ዊዒሎም። ሽሕ እኳ እዚ መደብ ምስ ህጹጽነት እዚ ፍጻሜታት ንምርካብ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተመደበ እንተነበረ እዞም ጉዱሳት ዜጋታትን ግን ነዚ ኣገዳሲ መደብ ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ እዋኖም መጺኦም። ኣዳላውቲ መደብ ንኹሉ ተጋባኢ ናይ እንቛዕ ብድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምስማዕ ንኹሎም ግዳያትን ሰማእታትን ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ዝኽሪ እዋን ሂቦም። ካብዚ ብምቕጻል ድማ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻሜ ዝምልከት ብማሕበር ዝተዳለወ መልእኺቲ ብኣባላት ቦርድ ቀሪቡ።

Pic Bay Area 1

ከምቲ ጉቡእ ዜጋታት ሓደጋ ኣብ ዝወርዶም እዋን ወይ ውን ሞትን ህልቂትን ምስ ዝስዕቦም መንግስቲ ወይውን ኣካላቱ ሓላፍነት ወሲዶም ናይ ሓዘን መግለጺ ክህቡን ተገዳስነቶም ክርእዩን እዩ ዝግባእ። እቲ ዘገርም ግን ደገፍቲ ስርዓት ምልኪ ኤርትራ ንዕድሚኦም ጸጊቦም ንዝሞቱ ሓልፍቲ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ሓዘን ስርዓት እንዳገብሩ ነዞም ነዛ ክብርቲ ሂወቶም ብማንካ ከየልዓሉላ ዝጠፍኡ ዕሸላትን መንእሰያትን ግን ግዲውን ኣይገብሩን። እዚ ዝሕብሮ ስርዓት ምልኪ ኤርትራን መርበባቱን ብሂወት ዜጋታት ዘይግደሱ ምዃኖም እዩ። ሽሕ እኳ ህዝብና በዚ ኮረሻ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት በቶም ልቦም ድርዒ ኣጥርዩ ዘሎ ደግፍቱን እንተተጠልመ በቶም ኩሉ ግዜ ብዘይ ምስልካይ ድሕነት ህዝቢ ክውሕሱን መሰላቱን ክመልሱን ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ከይተሓለሉ ዝጽዕሩ ግዱሳት ዜጋታት ፍጹም ኣተረስዑን። ነዚ ዘረጋግጽ ሕቂ እቲ ኣብዚ ናይ ሰንበት 26 ሚያዝያ ተኣኪቡ ዝነበረ ተቐማጢ በይ አርያን ዝነበረ ትዕዝብቲ እዩ።

Pic Bay Area 2

ኣብዚ ዝኽሪ ዝነበራ ኣዴታት ከምኡውን ደቅንስቲዮ ኣሓትን ዝርንዝሕ ንብዓት ነቢዐን ክሳብ ምእባድ ዝስእና ተነኽኒኸን። ኣቦታትን ኣሕዋትን ውን ገጾም ብድንጋጸን ሓዘንን ተኣሳሲሩ ኣብ ማዕበል ስምዒት ክገማጠሉ ተራእዮም። ማይክሮፎን ዝጨበጡ ድማ ብዓውታ ሓዘኖምን እህህትኦምን ክስምዑ እንከለዉ እቲ ዝተረፈ ተጋባኢ ብሰንኪ ጸቕቲ ስምዒት ርእሱ ክንቕንቕን ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ይርእዩ ኔሮም። ኣቦታትን ገዳይም ተቓለስትን ካብ ቕድም ኣትሒዞም ነቲ ጠንቂ ህልቂት ይቃወምዎ ምንባሮም ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ኩሉ ተጋባኢ ኣብ መትከሉ ክጸንዕን ክሳብ ፍታሕ ዝመጽእ ከይተሓለሉ ክጽዕሩን ኣዘኻኺሮም። ደቂ ኣንስቶዮ ውን ካብ ሞት ውላድ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝኸፍእ ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላጽ ፡ከምቲ ቀደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሕጅውን ኣብ ጸረ ምልኪ ደው ክብላን ድምጸን ከስምዓን ብዓውታ ተዛሪበን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ናይ እምነት ሰባት እውን ሙሉእ ፍታሕ ካብ ሰማይ ስለዝኾነ ጸሎትን ምህለላን ክዝውተረን ከይርሳዕን ለበውኦም ሂቦም። ሕብረት ኩሉ ጊዜ ሓይሊ ስለዝኾነን ንእዋናዊ ለውጢ ቀንዲ ደራኺ ስለዝኾነን ኩሉ ዳላዪ ፍትሒ ኣብ ሕበረቱ ክጸንዕን ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ሓባርዊ ዘተን ሓሳብ ምልልውዋጥን እዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ንጥፈታት ተጠቒሶምን ናብ ግብሪ ክመሓላላፍ እውን ናብ መሪሒነት ማሕበር በአ-ኤደለ ብሕድሪ ተላብዮም፦

Pic Bay Area 3

- ንግዳያትን ቤተሰቦምን ኩሉ ዜጋ ከጸናንዕን ክሕግዝን ንበደልቲ ድማ ናብ ሕጊ ምቕራብን - ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበርን ክሉ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበራት ሕብረተሰብ ዓለም ንኽሳተፍውን ዕድመ ክግበር።

- ብኪኢላታትን ሰብ ተሞክሮን ዝተመርሐ ህዝባዊ ዘተ ክግበርን ሲዒቡውን ናይ ምርምርን ስትራተጅን ንጥፈታት ክግበር

- ንጉንበት 24 ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ትልሂት ክቛረጽን ብካልኦት ወገናት ዝግበር መደባት እንተልዩውን ጠጠው ምባሉን

ማሕበርኩም በአ-ኤደለ ንኽሎም ተጋባእትን ኣብዚ መደብ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ዘይውዓልኩም ግን ተገዳስነትኩም ዘገልጽኩምን ብፍላይ ድማ ነዚ መደብ ክውን ንኽኸውን ዝሰራሕኩምን ዝተሓጋግዝኩምን ብስም ማሕበርን ሕብረተሰብን ብልቢ ነመስግነኩም ኣብ ቀጻሊ መደባትን ጻዕርታትን እውን

ኣይተፈለዩና ንብል።

ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህዝብና ምጽንናዕን ዕረፍትን ንግዳያት ህዝብናን ቤተሰቦምን!

ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ)

ሚያዝያ 28 2015__


ኣቦ ተበግሶ ናይዛ ሓዳሽ ቁጽሮ
ኣበይ ዳኣ ኣቢልካ ተወልደ ባካሮ
ከመይ ዱዩ ኔሩ እቲ ናይ ዓሚ ዉዕሎ
ብህልቒት ላምፓዱዛ ማሕላ ዝተማሕሎ
እንታይ ዳኣ ኮንካ እግርካ ተሕጹሮ
ኮምኡ ድያ እዛዓለም ዘይብላ የእምሮ
ንሃብታም ዝነበረ ድካ ትቅይሮ
ነቲ ብዓል ሓሳብ ነቲ ብዓል ቆጾሮ
ሓሳቡ ኮሊፋን ኣብ መሬት ተሕጽሮ
 
         ንነጻነት ቃልሲ እጃምካ ዘበርከትካ
         ሃገር ንምምዕባል ሃብትካ ዘወፈካ
         ረኪቡካዶታ እዚ ሽፍታ ናይ በረካ
         ከምዛ መማኩርቱ ዓርኩ ዘይነበርካ
         ንብረትካ ገቢቱ ኪድ ርሓቅ ኢሉካ
         ከታሊ ጋሂ ሕማም የሕዲሩልካ
 
ግን -ግን እቲ ዚዓበየ ንስሓ ተናሲሕካ
ኣብ ቅድሚ ህዝብካ በደልካ ገሊጽካ
ይቅረውን ኢሉልካ መሊሱ ፈቲካ
ኣባታዊ ምክሪ ረኪቡ ካባኻ
ጩራ ናይ ሓድነት ንስካ ኣበጊስካ
እንታይ ወይ ተበጉሶካ ቅድም ከይብለልና
ወይ ከይትጽንሕ ከይተሰጉመና
ምምጻእካ ምካድካ ማዕረ ማዕረ ኮዩኑና
 
         ከማካ እኮለዉ ዚሓደጉ ነቲ ሲርዓት
         ሚስጢር ከይዛረቡ ዚሳኣኑ ቲብዓት
         ሓኒቅዎም ከሎ ከም ምራን ቁረባዓት
         ጽዒንዎም ከሎ ከም ሕማም መንዳዓት
         ጎቦ ጎቦ ዚብሉ ኣካይዳ ፈራሓት
         ኣይ ተባዓት ተካለስቲ ጎኒ ናይ ዉጽዓት
         ኣይ ኑጹራት ተታበቅቲ መሳሰይቲ ጽርዓት
         ነዚኦም ኢዩ ዝብከዮም ሞት ናይ ሕማቃት
 
እምበር ንስካስ
ኣብታ ሓጻር ተበግሶ
ንህዝቢ ክጥርንፍ ክትጉስጉሶ
ነቲ ናዲክታቶር ሽኮና ክፍኣት ዘጠተስጠሶ
ሚስጡሩ ከተውጽእ ሓመዱ ከተልሕሶ
ቀሪቡ እዩ ኔሩ ሓሞቱ ክፈሶ
ሞት እንደሞ ኣርኪባትካ ንዕኡ ተደግዕሶ
 
          ኣለና ግና እቶም ዚማሓልና
        ተጠርኒፍና ኣሎና ከነዕዉት ጉባኤና
         መንገዲ ናይ ፍትሒ እዚኣያ ንህዝብና
 
እቲ ነዛ ተበግሶ ክብትን ዝደሊ
ብዓሌት በውራጃ ህዝቢ ዝፈላሊ
ዘይኑጹር መርገጹ በሊሕ መታለሊ
ካብ ረብሓ ዉጽዓት ረብሕኡ ዝደሊ
ቦታ የብሉን ዕንክሊል መበሊ
ከንሕልዋ ኢና ክንዕንብብ ከም ተክሊ
 
ፍረወይኒ ገብረገርጊሽ
በይ ኤርያ

CandlevigilFFT

ብምኽንያት ናይዞም ሎሚቅነ ኣብ ባሕሪ ዝሃለቑ ዜጋታትና፡ ከምኡውን ነቶም ብእስላማውያን ዝተረሸኑ ዘጋታትና ዝርከቡዎም ንጹሃት ክርስትያን ንምዝካር ኣብ ቀረባ ጊዜ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክንገብር መዲብና ከምዘለናን እናፍለጥና ናይ ሓዘን መግበሪ ቦታን መራሕቲ ሃይማኖትን ምስ ረኸብና ክንሕብር ኢና።

ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን

እዛ ዓለም ንምንታይ ትጸበኒ፡

ብሰፋሓ’ወ  ትንእሰኒ፡

ብምውቕታ ትቖረኒ፡

ብርኽብታ ንዓይ ዝጠምየኒ።

ኣነ እምበር’የ ናታ፡

ፍጡር ካብ ከርሳ ካብ ባይታ፡

መሰለይ እምበርዩ መሰላታ፡

ንምንታይ ደኣ ሓኒቓ ዓትዒታ።

ወዲ ዓለም እንድ’የ ውሉዳ፡

ዝብጽሓ ናይ ከርሳ ናይ ከብዳ፡

ኣካል’ቲ ኣቑጸልታ ጉንዳ፡

ሰርቢ ጠፈራ፡ ዝናባ በረዳ።

ትብጸሓኒ እምበር ማዕረ፡

ባህገይ ኣብ እምነታ ዝተደረ፡

ርሒብ’ዩ  ንስፍሓታ ዝጾረ፡

ንምንታይ ኣብ ዓደይ ቆሪረ፡

ከይፈቶኹ መብጽዓታት ሰይረ።

ደስ ከይበለነ መረበተይ ገዲፈ፡

ንወላዲተይ ራሕሪሐያ ተጸርጊፈ፡

ዘይፈልጦ ረጊጸ ሃጓፍ ዝጸደፈ፡

ይውዳእ እንተበልኩስ ጉዳም ዝሓለፈ።

መስክሪ ዓለመይ ተስፋይ ተሰሪቑ፡

ጠሊ ሓሪሙዎ ሕልናይ ደሪቑ፡

ሃጽ ኢሉ ቀልበይ ሃውቲቱ ርሒቑ፡

ዓገብ በሉለይ ዓለምይ ጨኒቑ።

እወ! ቀላያት ክሰግር ካብ ዝርኢ ንዑ፡

ምድረበዳ መሪጸ ድምጹ ካብ ምስማዑ፡

በል ቀታል ተስፋይ  ይግፋሓልካ ሽዑ፡

ተካል ፍጥረት ዶኽብል፡ በላዒ ግዛዑ።

እንተ ጠፋእኩሉ ደኾን’ዩ፡ ክገፍሖ?

ካን ዘርኢ ኣበዋተይ ከምዘይነበረ ክምሖ፡

ንተስፋፋታተይ ሸንኪሩሉ መርሖ፡

ቁንቁነ ኮይኑኒ ዘየናሕሲ ፍልሖ።

ዓዱ ዝለቕቐ ንዓለም ኣሚኑ፡

ወዮ ምድረ-በዳ’ውን ዋና’ሎዎ ኾይኑ፡

ክረግጾን ክነብሮን ዓለሙ ዋኒኑ፡

ተስፋኡ ኣንቢሩ ዘውደቐሉ ጎድኑ።

ኣይጥዓመን ኣሕዋት ሂወት ብሓረጣ፡

ሂወት ተቐዪሩ ጠላዕ ከም ገበጣ፡

ንተስፋ ክረትዕ መንብሮይ ክሰልጣ፡

ግን ኩሉ ሓደ ኮይኑ፡ ዓለመይ ጎቢጣ።

ለካ ኢሎም  ኔሮም ሽዑ ንሪአክን፡

ኣይገደፉን ጎራሓት ንሕና ንሕሸክን፡

ካን ገምድ ክቕየረለይ ኣብ ዓዲ እንዳማትክን፡

መለሳ ጎይታ ነየለ ናብዝን ናብትን ኢልክን።

ጎይቶት ኩኑ እንዶ’ሞ ቀልቡ ተስፋና፡

ዓቕሊ ምለሱሉ ኣልዕሉ መድፈና፡

ንዓኹም ክንብል ኣኽሊል ምሰቕልና።

እሱ ካብ ኮነ ጸወታ ዓለምና።

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!

ሃይለ ወልዱ።

ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ብ April 25, 2015፡ ንዝኽሪ ግዳያት መዲትራንያን ባሕርን ግብረሽበራዊ ቅትለት ናይ ንነብሱ ብ ISIS ዝፈልጣ ግብረሽበራዊ ጉጅለን ንምዝካር ኣብ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ-ስርዓት፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቃል።

ደቕና! ረኸብቲ መከራ!
ደቕና! ረኸብቲ ጋዶ! ረኸብቲ መግደራ!
ደቅና! ሰብ-ቃላይ-ዳግማይ ሰቲሞ!


መናእሰይ ካብ ምድሪ ዓደቦኹም ዘንፍጸኩም ዘበርግገኩም ዘሎ፥ ኣብ ኢድ ኣረሜናውያን ክትወድቁ፤ ክጋናዘይልኩም ዕድል ዝህብ ዘሎ፣ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ዘሎ መን ኢዩ? ሰበቡን ተግባራት ገባሪኡን እንርእዮ ዘሎና ኢዩ።እዚ ግን ንሓዋሩ ኣይኰነ። ኤርትራዊያን ብሕብረት ከም ጥንትና ተሓቛቚፍና ክሳዕ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ። ሓቢርና ክንዝቲ፣ ዝጐድኣናን ዝጠቕመናን ክንፈልጥ፣ዘባእስና መሰረታዊ ነገር ከም ዘየሎ ከነለሊ ምስ ከኣልና ኢዩ።ፍቕሪ ናይ ኣሕዋት ዘይደልዩ በቲ ዓቢ ምድዋኦም ሰለ ዝሸርዉናን፥ ሓድሕድና ስለ ዘጋራጪውናን እንሆ ሓደ ኣካል ንምዃን ግዜ ወሲዱልና ይርከብ። ግዜ ክንዲ ዝወሰደልና ድማ እንሆና ንጠፍእ፣ደቕና ይብርግጉ፣ቀለብ ዓሳ ይዀኑ፣ማዕበል ሑጻ ይደፍኖም፣ብኢድ ኣረማያን ይቕተሉ፡ ኣብ መዓሙቝ ባሕር ይሰጥሙ ኣለዉ።እንታይ’ኮን ኢና ኰይና፡ ቑሩብ ዘይነስተውዕል፣ቑሩብ ፊኒሕኒሕ ዘይንብል።ብኣንጻሩ፡ክንዲ ንፋቐር ንጻላእ፣ክንዲ ንሓብር ንበታተን፡ክንዲ ንከባበር ንነኣእስ፣ክንዲ ንቀራረብ ንረሓሓቕ። እዚ ዓይነት ተርእዮ ወለድና ዘውረሱና ኣይከነን። ጐራሓትን ሕሱማትን ኣንቀላዊጦም ካብ ደገ ዝጐተቱልና ኢዩ።ነቲ ዘስምረና ገዲፍና ነቲ ዘባእሰናን ዝበታትነናን ንመርጽ፣ንምብትታን ንፈጥን።ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ሻቢቡና ዘሎ።ነፍስና ወኪልና እንተ-ንቀራረብ ኩሉ ሽግርና ዓይኒ ንርእአ፡ ንፈናተይ፡ዝርግርግ ይኣትወና፣ደቕና በብሓደ ይነፍጹ፣ገበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ክንጻወት ንፍትን ኣሎና። ኣብዚ ኵሉ ሕሰምን መከራን ዘእትወና ዘሎ፣ከም ኣቦታትና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብሉ ሓራናት ስለ ዝሰኣንና ኢዩ።

ዛንታ ጀጋኑ ሃገርና ምስ እንፍትሽ፣ምስ ዝተፈላለየ ሽግራትን፣ ጸላእትን ወትሩ ብሕብረት ምስ ተሓናነቑ ኢዮም። ኣብ ጽንኩር ግዜ፡ ኣዋጅ ጀጋኑና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል’ዩ። እንታይ ማለቶም’ዩ ? ጀጋኑና ሓድሓደ ግዜ ንቕድሚት ዝሰጥሉን ደው ዝብልሉን ደረት ወይ ቀይሕ መስመር ኣለዎም። እቶም ጀጋኑ ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን ዝብል ቃል እንተ-ኣስሚዖም፣ብጸላኢኦም፣ክድፍኡ ጸኒሖም ናይ ግድን ጠጠው ዝብልሉ ኢዩ። ንሱ ከኣ “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል ድምጺ ምስ ኣቃልሑ ዝፍጸም ኢዩ። ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ምስ ተባህለ ሓቢሮም ምስ ጸላኢኦም ኣትኪሎም ክሳዕ መወዳእታ ዝተሓናነቕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። ምኽኒያቱ ክኒዮ’ዚ ዓዲ የለን ስለ ዝተባህለ። ኣቦታትና በዚ እምነት’ዚ ነታ ሃገርን ንታሪኻን ዓቂቦሞ።በዚ ታሪኽ’ዚ ነዛ ምድሪ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ኣናጊፎማ።ሎሚ ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ጀጋኑ ጌና ኣይረኸብናን። ደቕና ኽጠፍኡ ከለዉ ስቕ፣ ፍትሒ ክጠፍእ ከሎ ስቕ፣ ክብሪ ደቂ ሰባት ክገሃስ ከሎ ስቕ።ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ሓራናት ኣይተረኽቡን። ጠፊኦም ማለት ግን ኣይኰነን፤ስለ ዘይተበራበሩ ኢዩ።

ሎሚ ነታ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ጸላኢ ኣባሪሮም ነጻ ዝገበርዋ፡ምድሪ ዓደበኹም ገዲፍኹም፡ ነፊጽኩም ኽትጠፍኡ ዝደፍኣኩም ዘሎ ኵነት እንታይ’ዩ!። ብርግጽ ሓቢርና ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ስለ ዘይበልና ኢዩ።

እወ፡ገለ ብዱዓት ጸጊቦም ክብልኹም ንሰምዕ ኢና። “ ዓሻ ሰበይቲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝተባህለ።እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ዘይለዓቱ ኢዩ። እንታይ ዘጽግብ ምስ ረኸብኩም’ሞ!።
እቲ ምኽኒያት’ስ ካልእ ኢዩ። ዓው ኢልኩም ክትዛረብዎ ዘይከኣልኩም፣ ”ዓው ኢልካ ዘይብከይ ሞት ሕጹይ” ዝዀይንኩም ነገር’ስ ኣሎ። እቶም ጸጊቦም’ዮም ዝብልኹም፣ ወያ ጽጋብኩም ጽጋቦም ትኹን እንተበልናዮም መርገም ከይኮኖም፣ኣሕዋትና’ዮም። ውዒልና ሓዲርና ጡብ ኣዴና ኤርትራ ዝዓርቀና ኣሕዋት ኢና።

ከምኡ እንተበሉ’ውን ካብ ልቦም ዝመጸ ኣይኰነን። ከምቲ ዝስሞዓና ይስምዖም ኢዩ። ፈጺሙ ጠፊእዎም ክበሃል ኣይከኣልን፤እንታይ’ደኣ ብመውረርያ ትሑዛት ኢዮም፤ገጽ-ርኣይነት ስለ ዝሓየሎም’ዩ ኢዩ።እዛ ሓላፊት ዓለም ነባሪት ስለ ዝመሰለቶም፣ብልሳነን-ቅብጥር ዝበልዎ ኢዩ። ልቦም ግን ይዕዘቦም ኣሎ። ”ኣፍ ክዛረብ ልቢ ይንዕቕ” ከም ዝተባህለ። ሓቂ ተዛሪብካ ምሙዋት ዓቢ ክብሪ ምዃኑ ተረሲዑ። ምሕረቱ ይልኣኸልና። ኣብ ርእሲ ኵልና ዝደየበ፡ ግዜ ዝበልዐ ስኽራን ቀልጢፉ ካብ ሰብነትና ይውጸኣልና። ካብዚ ሓሊፉ ግን መን ኢዩ እናረኣየ እናሰምዐ ኣብ ሓዊ ክትጥበስን፣ብኻራ ከም ጤል ክሕረድን፣ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ክትሰጥምን ዝመርጽ?። ከመይ’ሉ ከምኡ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰብ ይመጽእ። ሕጂ’ውን እቲ ጸገም ዝፍታሓልና ”ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን “ ኢልና ምስ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ።

ዋይ! ዋይ! ዋይ! ስለ መከረኛታት ‘ደቅና!

ንዓኻትኹም ዘይከውን እዋን መጺኡኩም።እዚ እዋን’ዚ ከምቲ ቀደም ዝሓለፈ ክፉእ ዘመን ዘይሓልፍ ኣይም’ሰ’ለና። ግድን ክሓልፍ’ዩ። እቲ ዘይሓልፍስ ሕማቕ ታሪኽ ጥራይ ኢዩ።
እዚ ባሕሪ’ዚ ናይ ኣቦሓጎታትኩም ስጋ ዝለመደ ኢዩ። ናይ ሰቲሞ ጥፍኣት’ኮ ነዚ ኢዩ ዘዘኻክረና።እቲ ምድግጋሙ ግን እንታይ ንበሎ!! ንሕና ዲና ካብ ኣምላኽ ርሒቕና፣ወይስ ኣምላኽ’ዩ ካባና ርሒቑ። መን’ዩ ቅድም ዝረሒቐ? ስለ ሓቂ ግን፡ንሕና ባዕላትና ኢና ክንርሓቕ ዝጀመርና ባዕላትና ምዃንና ዘይከሓድ’ኢዩ። ፈጠርትና ለኒንን ማኦን ምስ ገበርና። ሕጂ’ውን እቶም ንህልዊ ኣምላኽ እንኣምን፣እቶም ዓለም ሓላፊት ምዃና እንኣምን፣መከራና ክውድኣልና ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንንገሮ፣ንሱ ከድሕነና ኢዩ። እታ ጀጋኑ ምውላድ ዝለመደት ማሕጸን ኣዴና ኤርትራ’ውን ጀጋኑ ክትፈሪ ክትነብር እያ።እትመክን ኣይምሰሎም።
እዚ ጥፍኣት’ዚ ጠጠው’ዶ ነብሎ ወይስ ጨሪስና ክሳዕ ንጸንት ከምኡ’ሉ ይቐጽል።ኣዚዩ ከሻቕለና ዝግብኦ ነገር ኢዩ። ብርግጽ ደቂ ሃገር ሓድሕድና ስኒት ሓሪሙና፡ ጌና ክንጻላላእን ክንረሓሓቕን ብዓይኒ ትዕቢትን ጽልእን ቅርሕንትን ቀጻሊ ክንጣማመት እንተዄንና ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ካልእ ጥፍኣት ምዕዳም ኢዩ።ስለዚ ሃየ ኣሕዋት ልቢ ነዕቢ!ንሰላምን ፍቕርን ሓቢርና ንወጥጥ!!

ዝፈሰሰ ደም ኣሕዋትና ከም ደም ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ቀሪቡ ክጠርዓልና ሰላም ከምጽኣልና ኢዩ።
ዅልና ደቂ ሃገር ምስትውዓልን ልቦናን ይፍጠረልና።
ዝተቐያየሙ ኣሕዋት ዝተዓረቕሉ፣
ዝተጻልኡ-ዝፋቐርሉ፣
ዝተፈላለዩ ሓደ ዝዝኾንሉ፡
ብፍቕርን ብሓደ ሓሳብን ዝኸድሉ፣ብሓደ ቅልጽምን ዝምክትሉ፣
ሓቢርና ንዓድና ብሰላም ክንነብራ እንኽእለሉ ።እዋን ይምጸኣና።
ሃየ ምዕሻው ይኣክለና፣ምብትታን ይኣክለና፣ ኣብ ሕቝፊ ኣዴና ኤርትራ ንተሓቛቘፍ። ኵልና ነጻ ኴይና ንሕሰብ።እቲ ጉዳይ ናይ ኵልና ኢዩ፡ሓቢርና ንምከር።ንመፍቶ ወዲ መን’ከ ኢዩ፥ደርጒሕና ንዛራረብ።ዕጥቂ ኣቦታትና ኣይነዝልቕ ሓደራ።
ከምኡ እንተ ዘይገይርና ጥፍኣትናን ብርሰትናን ቀልጢፉ ክመጸና ብፍቓድና ንዕድሞ ከም ዘለና ኣይንስሓቶ!!
እታ ሃገር ብደም ናይ ክሎም ሃገራውያን ዝመጸት ምኳና’ውን ኣይንረስዓዮ፤ እቲ ቀንዲ ሰበብ ነዚ ምርሳዕና ኢዩ።
ንቤተሰብ ረኸብቲ መከራ ጽንዓት ይሃቦም!
መንግስተ ሰማያት ንሰማእታት ደቅና!