ኣሮን ናኦድ

ከተዕውቶ ዝመደብካዮ ዋኒን ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ እትምረሓሉ ስኑድ ኣሰራርሓ ክህልወካ መሰረታዊ እዩ። ነዚ ብሓባር ሰሪሕካ ናይ ምዕዋቱ መሰረታዊ መሳርሒ ከኣ “ይርሓሰና” ኢልካ ምስ ተቐበልካዮ ክትቅየደሉን ውልቃዊ ስምዒትካ ክትቀጽዓሉን ዝግበኣካ ከከም ክብደት እቲ ዋኒን ዝቕረጽ ሕግን ስርዓትን እዩ። ናይዚ ባዕልኻ ረዲኻን ፈቲኻን ዝተሰማማዕካሉ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ቃልኪዳን ቅዩድ ምዃንን ዘይምዃንን መሰረታዊ ናይ መንነትካን ኣበርክቶኻን  መለክዒ እዩ። እዚ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት እውን ልሙድን መተካእታ ዘየብሉን ኣሰራርሓ እዩ። እዚ ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ዘለና ኣብቲ መጀመርያ ናይ ተሳትፎና ግዜኦም ዝሓዝናዮ መባእታዊ ናይ ግንዛበን ስነስርዓትን  “ሀሁ” እምበር ከም ሓድሽ ዝንገረካ ኣይኮነን።

ንሕና ከም ተቓለስቲ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ባህግና ዓሚቕ ድሌትና ድማ ብዙሕ እዩ። ካብ ንዓና ሓሊፍና ንህዝብና እንምነየሉ ጽቡቕን ራህዋን ማእለያ የብሉን። ነዚ እንምነዮ ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ዘጋጥመና ገለን ዝተጸበናዮም ገለን ከኣ ዘይተጸበናዮም ውረድ ደይብ ከኣ ብዙሓት እዮም። ብዚ ሓጐጽጐጽዚ ሓሊፍና ኣብ ቁምነገር ንምብጻሕ ካብ ዝሕግዙና መሳርሕታት ሓደን ቀንድን ከኣ ምኽባር’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ቃል ኪዳን እዩ።

ነቲ እነማዕድዎ ጸጽቡቑ ከነተግብር ቅሩባት ምዃን ኣገዳሲ ናይ ዓወት ነጥቢ እዩ። እዚ ቅርቡነትን ድልውነትን’ዚ ብንመትከላዊ ምእዙዝነት እንተዘይተሰንዩ ግና ከቶ ኣብ ፍረ ኣይበጽሕን እዩ። ብቕዓት፡ ዓቕሚ፡ ንዋትን ብዝሕን ዝኣመሰሉ መዕቀንታት ኣብ መንገዲ ዓወት ታረኦም ውሁብ ኮይኑ፡ ብጉቡእ ተወጊኖምን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ደሞክራስያዊ ኣዕኑድን እንተዘይ ተወዲኖም ግና ኣብ ድማዕ ኣየብጽሑን እዮም። ዝኾነ ዓቕሚ፡ ድሌትን ቅሩብነትን ንከድምዕ ብጽኑዕ መትከላዊ ኣሰራርሓ ክቃነ ግድን ምዃኑ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመናዊ ኣካይዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብባህልና እውን “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” እዩ ዝበሃል። ዘይተኣስረ ከኣ ዕድሉ ፋሕፋሕ እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ብቕዓት መዕቀንታት መመሊሱ ክሕደስ ዝግበኦ እምበር ሓንሳብ ምስ ወነንካዮ ምሳኻ ዝነብር ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎን ህያው ንምግባሩ ንቃለሰሉ ዘለናን ግዝእተ ሕጊ፡ ብልዕልና ርኢቶ ኣብዝሓ ዝቃነ ደሞክራስን ምኽባር ኩለመዳያዊ መሰልን ዝረጋገጽ፡ ዝያዳ ኩሉ ካብ ናትካ ጸቢብ ድሌትን ስምዒትን ወጺእካ ናይቲ ድሌትን ስምዒትን ብዙሓት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝተቐርጸ ማእከላይ መትከላዊ ኣሰራርሓ ምእዙዝ እንተኮይንካ ጥራይ እዩ። በመንጽር እዚ ጽባሕ እንታይ ከም እንገብር ብናይ ሎሚ ተግባርና ስለ ዝምዘን፡ ሎሚ ኣብዞም ብስም ህዝቢ እንጭረሓሎም ዛዕባታት ክሳብ ክንደይ ምእዙዛት ከም ዘለና  ንምርዳእ ነነብስና ክንሓትት ግድነት እዩ።

ሎሚ ኣብ ውድቡ፡ ሰልፉ፡ ማሕበሩን ካልእ ናይ ቃልሲ መድረኽን ንግዝኣተ ሕግን ልዕልና ብዙሓትን ዘይተማእዘዘ ብኣንጻሩ  ካለኦት ካብቲ ናይ ሓባር ቃልኪዳን ወጺኦም በቲ ንሱ ዝሃንደሶ ቅዲ ክኸዱ ክደፍእ ዝደናደን ጽባሕ ንግዝኣተ ሕጊ ኣኽቢሩ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ክኽብር’ዩ ኢልካ ምጽባዩ ኣጸጋሚ እዩ። መላኺ ኢሳይያስ እውን ንዲክትቶርነት ካብ ቀደም ዝረዓሞ እምበር ኣስመራ ምስ ኣተወ ዝሓደሮ ውቃበ ከምዘይኮነ ብዙሓት ካብ ቀደም ጀሚሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። ሓደ ኣካል ሎሚ ናይታ ዘለዋ ውዳበ ሕግታት ከየኽበረ፡ ጽባሕ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከውሕስ’የ እንተበለ ክትቅበሎ ዘተባብዕ ኣይኮነን። ህግደፍ ባዕሉ ዘጽደቖ ሕገመንግስቲ ከተግብር ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ክቐርበሉ ምስ ጸነሐ፡ ኣብ መወዳእታ ኣይኮነንዶ ከተግብሮ “ እቲ ሕገመንግስቲ ሞይቱ እዩ” ዝብል መርድእ ዝዘርሐ ካብ ቀደሙ እውን ቅዋማዊ እምነት ከምዘይነበሮ ዘመልክት እዩ። ሎሚ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ዘለና ጽባሕ እንታይ ዓይነት ስርዓት ከነተኣታቱ ከም እንደሊ ዘይኮነስ ንምትግባሩኸ ንኽእልዶ ኣይንኽእልን ኣብ እንፍተነሉ ደረጃ ከም ዘለና ክንርስዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ብሸፈጥን ዓመጽን ሰጊርና ጽባሕ ኣብ ምርግጋጽ ፍትሓውነትን ልዕልና ሕግን ሸለውለው ምስ በልና፡ ኣብ ልዕሌና  “ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ ” ከም ዝምሰል ኣይንዘንግዕ።

ኣብ መንግስታት ኮነ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ዝወጽእ ሕጊ ክትግበር እንከሎ ከይዕንቀፍ ዝሕልውዎ፡ ዝትርጉምዎን ዘተግብርዎን ኣካላት የድልይዎ እዮም። ናብዚ ቀንዲ ሓላፍነት ዝስከሙ መንግስታትን ኣብ ውድባት ድማ መሪሕነታትን እዮም። ካለኦት ተግበርቲ ኣካላት እውን በብደረጃኦም ሓላፍነት ኣለዎም። መሪሕነታት ሕግን ስርዓትን ንዝኽብሩ ኣካላት ምትብባዕ ጥራይ ዘኮነ፡ ካብ መስመር ንዝወጹ ኣካላት ናብቲ ግቡእ መስመር ምምላሶም ኣድላይ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ግድነት እውን ኣለዎም። እቶም ናብ ግቡእ መስመር መምለሲ መሳርሕታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ኣየናይ ስጉምቲ፡ መዓስን ብመንን ክውሰዱ ከም ዘለዎም ምርዳእ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕግን ስርዓትን ዘይመልክዑ እንዳሓዘ ዝዝንግዕ መሪሕነት ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓባር ቃልኪዳን ዝበልናዮ ሕጊ ተሓታቲ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ዕማምን ሓላፍነትን ንመሪሕነት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኣካላት ውሁድ ተሳትፎ ከም ዘድሊ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።

ኣርዓዶም በርሀ

ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ነጻነትን ንምርግጋጹ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ክዝረብ እንከሎ ከይተጠቕሱ ካብ ዘይሕለፉ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ቅያ ኤትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ እዩ። ወሳኒ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣዕዚዝካ ንምቕራብ ኣብቲ መዋእል ቃልሲ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን” ዝብል ጭረሖ ይቃላሕ ነይሩ። “ደቂ ኣንስትዮ ተንሰኣ ተሎ ዝረኽብናዮሎ ካብ ተመኩሮ” ዝብል ዜማ እውን ተዘሚሩ  እዩ። ሎሚ እውን ክብደት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ህያው ኮይኑ እቲ ጭረሖ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገጽ ለውጢ የለን” ናብ ዝብል ማዕቢሉ ኣሎ። እዚ ጭረሖ እዚ “ኣብቲ ናይ ቃልሲ ባይታ ከመይ ኣሎ?” ዝብል ግና ሓደ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ቅንስትዮ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ መሪርወን ነዚ ወጽዓ ንምውጋድ ብወግዒ ተወዲበን ድምጸን ኣስሚዐን ቃልሲ ዝጀመራ ቅድሚ 107 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣሜሪካ ብዝተላዕለ መሰረታዊ ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ ታሪኽ ተጋድሎ ደቀኣንስትዮ ዓለም ይሕብር። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናብዚ ሕጂ ዘለዎ  ደረጃ ዓለም ለኻዊ ዝኽሪ 8 መጋቢት ንምብጻሕ ኣብ ምውሳን ዝኽበረሉ ዕለት ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ “ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?” ዝብል ንምውሳን እውን ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃታትን ዝተሓላለኸ መስርሕን ክሓልፍ ጸኒሑ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ዘጋጥመን ናይ ሓባር ጾታዊ ወጽዓ ክህልወን እንከሎ፡ ከከምቲ ናይቲ ዝነብራሉ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዝመሓደረሉ ስርዓትን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣብ ገሊኡ ዝያዳ ዝመረረ ከም ዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቑጠባዊ ምዕባለን ብደሞክራሲያዊ ዕቤትን ኣብ ዝሓሸ ዝርከብ ዓለም፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብቑጠባ ኮነ ብስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ ዝያዳ ከም ዝኸፍእ ምጥቃስ ይከኣል። ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ ዘለወን። በቲ ሓደ ወገን ጾታዊ ወጽዓ በቲ ካልእ ወገን ደማ ከም ኩሉ ዜጋ ዘጋጥመን ኩለመዳያዊ ወጽዓ። ደቂ ኣንስትዮ ቃልሰን እውን ከምኡ ድርብ እዩ።  ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ዝተረፈ ሓፋሽ ህዝቢ ኩለመዳይዊ ወጽዓ ኣብ ዘይተፈትሓሉ በይኑ ፍታሕ ዝረክብ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ በይኑ ተነጺሉ ክፍታሕ ዘይሕሰብ እዩ። ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ቁጠባዊ ዕቤትን ውሑስ ሱር ኣብ ዝሰደደሉ ስርዓት  ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምውጋዱ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። እዚ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግበኦ ዝተረደአ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተፈጥረሉ መፍትሒ ዝረክብ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን ዝፍታሕ ነቲ ዝውጸዐን ተጻራሪ ጾታ ከም ጸላኢ ብምውሳድን ብምትህልላኽን  ዘይኮነስ ናይቲ ወጽዓ ክብደት ተረዲኡ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ከም ዝኸውን ብምግባር ክኸውን ይግበኦ።

ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ህብረተሰብነተን ብተግባር ዘርኣያሉ ብዙሕ ተመኩሮታት ምግላጽ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ተመኩሮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና፡ ዓለምና እውን እተሰማማዓትሉ ሚዛን እዩ። እዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብቲ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዎ ቃልስና ንናጽነት ኤርትራ በሪኹ ተራእዩ’ዩ። ኣብዚ መሪር ቃልሲ ኣሓትና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ፍልዩነተን ተጽዕኖ ከይፈጠረለን፡ ምናልባት “ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ” እንተተባህለ ምግናን ከይከውን፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ዝኸበደ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ወተሃድራዊ ጊድራታት እውን ከይተረፈ መስተንክር ሰሪሐን እየ። ንናይ ካለኦት ውጹዓት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ግዜ ዘይስዕሮ ኣብነት ኣውሪሰን እየን።

ኣብ ብረታዊ ቃልስና ተመሊስና ጉዳያት ዘኪርና፡ ናብዚ ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሃለዋት ክንመጽእ እንከለና፡ ኣብ ቅድሜና ካብ ዝመጹ ዘሕዝኑ ግና ብተግባር ዝረኣዩ ዘለዉ ትርኽቦታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸጋታት ናይቲ ብደሙ ዘምጸኦ ነጻነት ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጠልመ ምዃኑ እዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተጠልመሉ ደቂ ኣንስትዮ እውን ከም ዝጥለማ  ፍሉጥ እዩ። እነሆ ከዓ ጥልመት ኢልካ ምግላጹ ኣብ ዘይኣኽሎ ደረጃ ይርከባ ኣለዋ። ኮንደኾን ኣብቲ ዕለቱ እንተተባህለስ ዝያዳ እዝንን ቀልብን ይረክብ ብዝብል ንደግሞ ኣለና እምበር ህልዊ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ   ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ከም ዝርከብስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይዚ ዝግደሱ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ከይተረፉ ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ ዘልዕልዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለኦ ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ውሽጡ ከም ቀንዲ ዕማም ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ፡ ዝተሓላለኸ  ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ እውን እጃመን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ ንታሕቲ ከም ዘይኮነ ክርደኣ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ተረድኦ ዝምጥን ተሳተፎአን ከም ዝጽበየን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።  ተሳትፎአን ኣብ ዝበኾረሉ ወይ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣዝዩ ኣብ ዝዛሕተለሉ ወጽዓአን  ክፍታሕ ከምዘይክእል ከዓ ክርደኣ ይግበአን። ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ እውን ብኩራት ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ጸገም ናይቲ ቃልሲ ገይሮም ክርድእዎ’ሞ ናይ ግድን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽብሉ ይግበኦም።

ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ቃልሲ ዝርሕቃሉ ዘለዋ ምኽንያት፡ ምናልባት ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሰን ጻማ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣያ’ሞ ብኣኡ ስለ ሰከሓ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣለኒ። ናይዚ መንቀሊኡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት እንድዩ፡ ኣብኣተን ዝተደረት ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረኻኺብሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክርሰዓኦ ኣይግበአንን። እቲ ፍታሕ ከዓ ቃልሲ እምበር ስቕታን ካብ ቃልሲ ምርሓቕን ከም ዘይኮነ ክርደኣኦ ኣብዚ ኣጋጣሚ አዘኻኽረን። እንተ’ቲ ምረት ናይቲ ዘሕልፈኦ ዘለዋ መከራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ብድብድቡ “ኣስካሕካሒ” ኢለዮ ክሓልፍ እመርጽ። ነዚ ንምግላጽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2013 ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ፡ ኣብ መደበራት ሊም ኣብ ድፋዓት ናይ ውግእ ተጸሚደን፤ ኣይስራሕ፡ኣይትምህርቲ፡ ኣይሓዳር ኰይነን ግዜአን ብኸንቱ የሕልፋ ኣለዋ። ጥራይ’ውን ኣይኰነን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ፡ ናይ ሰበ-ስልጣን ጀራዲን ክዅስኵሳ፡ ምድሪ ቤቶም ክጸርጋ፡ ቆልቶም ከጻውታን ክናብያን፣ እቲ ዝኸፍኤ ድማ፡ ሰበ-ስልጣን’ቲ ስርዓትን መጋበርያታቶምን ከም መርወይ ስጋዊ  ድሌታቶም ክጥቀሙለን ይርኣዩ ዮም። መነባብሮ ከቢድወን፡ ኣብ በረኻን ስንጭሮን ምንባር ነዊሕወን፡ መጻኢ ድለን ፍጹም መዋጽኦ ዘይርከቦ ጸልማት ኰይንወን ናብ ስደት ዘምርሓ ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ውሑዳት ኣይኰናን። ኣብዚ ሓደገኛ ዕዞ’ዚ፡ ኣብ ምደረ-በዳታት ብጽምኢ ዝሃለቓ፡ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ድራር ዓሳ ዝዀና፡ ንዝተፈላለየ ዓመጽን ግፍን ተቓልዓን ገገዝን ይቝጸረን ዘብል ዩ።ዝበሎ ንኣብነት ምጥቃሱ እኹል እዩ።

ሰደህኤ ብመሰረቱ ውን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰልፊ ኮነ ከም ሃገር ኣዝዩ ፍሉ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣብቲ ፖለቲካዊ  መደብ ዕዮኡ “ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዃነን መሰለን ተሓልዩ ኣብ ኩሉ ህይወት  ሕብረተሰብናን ሃግርናን ብማዕረ ክሳተፋ ከም ዘለወን ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ከዓ እቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ማሕበራውን ውልቃውን ህይወትን ከግልለን ዝጸንሐ ባህላውን ፖለቲካውን ቀይድታት ብሕጊ ንምውጋድ ኣድላዪ ቃልሲ ከካይዳ እዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ እውን እዚ ሰልፊ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ንምዕዛዝ ካብ ዘለዎ ድልውነት ብምንቃል ካብቲ 9 ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚኡ ሓደ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል እዩ። እዚ ሰልፋዊ ቅርቡነት ኣብ ፍረ ክበጽሕ ግና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ክነሱ ክሳብ ሕጂ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ እውን ኣዕጋቢ ዘይምዃኑ ናብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዕዙዝ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ወለድና “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝከረሉ ዘለና ኣጋጣሚ፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓርበኛታት ኣደታተን መስዋእቲ ዝኸፈላሉ፡ ግና ድማ ኣብቲ ዝድለ ምዕራፉ ዘይበጸሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ክሳተፋ መጸዋዕታና ነቕርበለን።

7 መጋቢት 2015

                                                ክብሮም ግረነት

            ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 እንኣትወሉ ዘሎና ፣ እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ክዕውትና ዝክእል መንእሰያትና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ክውደቡ እንተ በቂዖም ጥራሕ እዩ። ምክንያቱ ከይተወደበ ዝተዓወተ ምንቅስቓስ የለን ። ውደባ ክብሃል እንከሎ ግን ኣብ ልዑላዊ ራኢ ሕመረት ዝገበርን ብቁጠባዊ ዓቅሚ ዝተሃንጸን ሓጺናዊ ዲሲፕሊን ክውንን እንከሎካ ጥራሕ እዩ ። ሃገራዊ ዕማም ናይዚ ውደባ እዚ ንጉጂለ ህግደፍ ኣወጊድካ ፍትሕን ማዕርነትን ዝነገሳ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ እዩ ።ውደባ ብኣውራጃ ፣ ውደባ ብሃይማኖት፣ ወደባ ብብሔር ፣ ውደባ ንጥቅምን ረብሓን ኩሉ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት ንዝተቀበለ ዜጋ ጥራሕ እዩ ።

            እቶም  ክሳብ ሕጂ ዝተካየዱ  ዝተፈላለዩ ኮንፈረንሳት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ፣ ኤርትራዊ ሓድነት ይትረፍ ካብቲ ዝነበሮም ናይ ቅድሚ 3 ዓመታት ምፍሕፋሕ ኣብ ዝገደደ እዩ ኣድይብዎ ። ብፍላይ ብወገን መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ኮማት ተመቓቂሎም ወግሔ ጸብሔ ከምተን ውድባት ክባዝሑን ክራብሑን ይርኣዩ ኣለዉ ። እቲ ጽገም እዞም መንእሰያት ብፋናንስያዊ ዓቅሞም ክውድብዎ ዘይከኣሉ ኮንፈረንስ ዋናታቱ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ።ከም ኣብነት መገለጺ ኣቶ በረኸት ካብ ሳውዝ ኣፍሪቓ እቶም መወልቲ እንታይ ተጽዕኖ ከም ዝገብሩ ንእዝኒ ዘለዎ ክሰሚዕ ዝክእል እኩል መረዳእታ እዩ። እቲ ሓደ ግዜ ብባዕላዊ ዓቅሚ EYSC ኣብ ዲሲ ዘካየድዎ ኮንፈረንስ ናይ ብዙሕት ኤርትራውያ ኣድናቆት ኣትሪፉ ነይሩ ። እንተኮነ እቲ ኮንፈረንስ ቀለሙ ከይነቀጸ በቶም ሓድነትናን ልዑላውንትና ዘይተዋሕጠሎም ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ኣብ ቅድሚ ዓይኒና ክፈርስ ተዓዚብና ። እዚ ኣብ ውሽጢ መንእሰያትና ዝርኤ ዘሎ ዘይስጥመት  ኣብ ታሪክ ህዝብና ሓዲሽ ኣይኮነን ። እተን ዝበዝሓ ውድባት እውን ካብ ተጽዕና ግዳማዊ ሓይሊ ነጻ ክሳብ ዘይኮነ ኪዳን ይበላ ባይቶ  ህዝቢ ኤርትራ ክዓስለን ምጽባይ ማና ካብ ሰማይ ክወርድልካ ምጽባይ ይቀልል። መንእሰያትና ነዚ ክፈልጥዎን ክርድእዎን ይግባእ።

            እዞም መንእስያት ተወዲቦም ሓድነቶም ከደልድሉን ነቲ ኣብ ባነርት ህግደፍ ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ኣርእያ ንምዃን ነጻ ውደባ ጥራሕ ተሪፍዎም ኣሎ ። ምክንያቱ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝሰላሰል ዘሎ ዲምክራሲያዊ ቓልሲ ልዑል ኣስተዋጽኦ ገይሮም ኣለዉ ። ስለዚ ነዚ በሲሉ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ተጥቂሞም ሓደ ድልዱልን ስጡምን ናይ መንእስያት ማሕበር ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክሃንጹ እንተኮይኖም ነጻን ልዑላዊ ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ ።

            እምበኣር ነዚ ነጻን ልዑላዊ ዝኮነ ማሕበር ንምህናጽ ክሕግዘኩም ቁሩብ ዝኮነ ኣካል ሓደ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ  ምክንያቱ  ሰዲህኤ እቲ ሓደ ሕብረብሔራዊ ሰልፊ ኮይኑ ፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ምትእትታው ዘየፍቅድ፣ ኣብ ዓውዲ ቓልሲ ንዲሞክራሲያዊ  ለውጢ ብምትእማምን  ነብሱ ክእሉ ዝቓለስ ዘሎ እዩ ። ልዑላዊ ክብል እንከሎኩ እቲ ሰልፊ ብዓቅሚ ኣባላቱን ደገፍቱን ዝምወልን ኣብ ጉባኤታቱን ብሓንጸጾም መትከላት ተቀይዱ ዝነጥፍ ፣ ካብ ዝኮኑ ናይ ደገ ሓይልታት  ምትእትታው ነጺጉ ናጽነቱ ዘውሓሰ ሰልፉ እዩ ። ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቀጻልነት ናይ ሃሳብን ግብሪን ልዑላዊት ኤርትራ እዩ ።

            ኣብ ታሪክ ሰውራ ኤርትራ እቶም ቀዳምት ተጋደልቲ ብረት ዝዕጥቆም ደጋፊ ህገር ስለ ዘይነበሮም ነቲ ገድሊ ከቛርጽዎ ኣይሓሰቡን ። በተን ዝተዋህበኦም 10 ብረት ነቲ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቓ ዝሓየለ ሠራዊት ክብድህዎ ተላዕሉ ። እዚ ስለ ዝኮነ ኣብ ግዜ ኹናት ኣንጻር ጸላኢ ናይ ዝተሰወኤ ብጻዮም ብረት ንጸላኢ  ከይገድፉ ከሳብ 5 ተጋደልቲ ከምዝትሰውኡ ታሪክና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ። እዞም ገዳይም ተጋደልቲ መዓስከራት ጸላኢ እናኣጥቁዑ ብረት ይዓጥቁ ነይሮም ። ኣብ ሰብዓታት ከኣ ህግሓኤ “ ንጻላኢ ብብረቱን ብጥይቱን “ ክብሉ እንከሎዉ ናይ ደገ ሓገዝ ስለ ዘይነበሮም ፣ እቲ ፍታሕ ንጸላኢ ብብረቱን ብጥይቱን ጥራሕ ነበረ። ነዚ ሕቅነት እዚ ዘረጋግጾ መንግስቱ ሃይለማርያም ባዕሉ “ ንሕና ብረት ንገዝእ ምስ ወምበዴ ከኣ ንማቀሎ ኣሎና “ ዝበሎ ። ስለዚ እዚ ዘመዝገብናዮ ሃገራዊ ነጻነት ውጽኢት ናይ ኤርትራዊ ሓቦን ቖራጽነትን እምበር ናይ ደገ ሓይልታት ተለኣኣክቲ ብምዃን ኣይነበረን ። እምበኣር  መንእሰያትና  ነዚ ሃገር ዝጥፍእ ዘሎ ሰርዓት ንምምሓው ፣ ሎሚ ብረትን ጥይትን ዘይኮነ ድሲፕሊን ዘለዎ ልዑላዊ ውደባ የድሊኩም ኣሎ ።

            ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሎሚ ክልተ ተመሳሰልቲ ጉጂለታት በብዝጥዕሞም  እናተበራረዩ ንመንእሰይ  ኤርትራ ክጽንትዎን ከዳክምዎን ይቓለስዎ ኣለዉ ። ሓደ ጉጂለ ህግደፍ ክከውን እንከሎ ፣ እቲ ሓደ ከኣ ብሽም ደምበ ተቓውሞ መእሰይ ከይውደብን ሓድነት ክይገበር ካብ ቁሸት ህገረ ኤርትራ ጀሚሮም ክሳብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣሚሪካን ጸቢብን መርዛም ዝኮነ ኣውራጃዊ ምትእክካብ ንምፍጣር ክቓለሱ ጸኒሖምን ኣለውን። ነዚ ዝከየድ ዘሎ ስውር ቓልሲ ንምፍሻልን መንእሰያትና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብንቅሓት ክምክትዎ ክዕወቱሉን ናይ ግድን ይኽውን ።

ሎሚ ኣብ ዝኮነት ኤርትራዊት ስድራ ቤት ፣ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ተነቂሒሉን ተነጺጉን እዩ። እቶም ነቲ ጉጂለ ብዝተፈላለዩ ምክንያት ከተሓባበርዎ ዝጽንሑ ደገፍቱ ፣ሎሚ ንሳቶም እውን ነቲ ለውጢ ደለይቱ ምዃኖም ብዘይ ጥርጥር ክዘረቡ ንሰሚዕ ኣሎና ። እምበኣር ነዚ ህሉው ኩነታት ካብ ተነቓሓሉ፣ ነዚ በሲሉ ዘሎ ክውንነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነጻ ዝኮነ ሕጹጽ ውደባ የድሊ ኣሎ ። መንእሰያትና ሕሰምን መከራን ካብ ዝኮነ ኤርትራዊ ንላዕሊ ዝሰሓንዎ ስለ ዝኮኑ ፣ ርጊኦም እቲ ዓወት ኣብ ልዕሊ ጉጂለ ህግደፍ ስለ ምንታይ ክንዲዚ ግዜ ይወስድ ኣሎ ክብሉን ካብቲ ኤርትራዊ ክብሪን ልዑላውነት ሀገረ ኤርትራ ዘውሕስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመሃሩ ይግባእ ። ምክንያቱ ሰዲህኤ ኣብ ጉዑዞ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ምዕራፍ ዘበሰረ ሰልፊ እዩ ። እቶም ዝሰመሩ ውድባት ብማዕረ ነቶም ኣግደስቲ ኣርእስትታት ብሓባር ዘትዮም ክሰግርዎም በቂዖም እዮም ። 

መራሕ ጉጂለ ህግደፍ ንመንእሰያት ስራሕ ክፈጥረሎም ስለ ዘይደለየ ኣብ ከተማ ምህላዎም ከኣ ስለ ዘስጎኦ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ብዘይ ግቡእ ዓስቢ ክምዝምዞም ይርከብ ኣሎ ። እዚ ዳርጋ ንርብዒ ዘመን ዝተናወሔ ባርነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከብቅዕ መንእሰያት ክኣምኑዎ  ዘለዎም “ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኤርትራውያን ምዃኖም ክኣምኑን”  ንኩሉ እቲ ዝጸንሖም ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት ከራግፍዎን ክነጽሕሉን ይግባእ ። ኣብ መትከል ዝተሰረተ  ፖለቲካዊ ዝምድናታት ክሃንጹን ነቲ ቓልሲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከደይብዎ ከኣ ንጽበዮም ።

ኣብ መወዳእታ

ኣብ ወሳኒ መድረክ ምርብራብ ስለ ዝኣቶና ፣ እቶም  ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት  ዝርከቡ መንእሰያት ክውደቡን ክጥርናፉን ይግባእ ። ሓደ ከም እብነት ክውሰድ ዝግብኦ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ኣብ ቶጎርባ ዘውጽእዎ መግለጺ እዩ። እዞም መንኣሰያት ኣብቲ መግለጺኦም ዘቀመጥወን ኣርባዕተ ንጥብታት ብዝያዳ ክጸፋን ክምዕብላን ዝክእላ እየን ። መንእሰያትና ከም ባህሊ ክወስድወን  ዝግባኣ ጉዳያት ልዑላውነትን  ግሉጽነትን ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ኤርትራ ምቅራብ ይግብኦም  ።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2015 ይግበረልና

ክብሮም ግረነት ።

12/31 /2014

             ካብ ን ናብ ምስ ረአኹም ቁሩብ ድንግር ኢልኩም ትኾኑ፡ የግዳስ ካብ ረቡዕ ናብ ሓሙስ ከብ ታሕሳስ ናብ ጥሪ ካብ 2014 ናብ 2015 አብቀዓና ማለተይ እየ። አብታ ሰዓት አብታ ደቒቕ አብታ ናይ ቋሕ ሰም ካሊኢት ዘመን ተቐይሩ ክንብል ኢና። ደሓን ይእተው እዞም ምዕራባውያን ነቲ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ወርሕን ዓመተ ምህረትን ዝገበሩልና እምበር ንሕናስ ስጋብ ሎሚ ዘመነ ደርቡሽ፡ ዘመነ አንበጣ፡ ዘመነ አካሒዳ፡ ዘመነ ዓደየ ዓደየ ንብል ምስ ሃለና:: ነዚ ዘለናዮ ዘመን ከአ ርግጸኛ እየ ዘመነ ጣልማይ ምስ ተበህለ ኔሩ። እወ ዘመነ ህዝብና ብደቁ ዝተጠልመሉ፡ ስውእ ብህሉው ዝተጠልመሉ፡ ወዲ መሬት ብንሕና ንሱ ዝተጠለምሉ፡ ደላይ ፍትሒ ብንሕናን ንስኹምን ዝተጠልመሉ፡ ምእመናን ብመራሕቲ ሃይማኖቶም ዝተጠልምሉ፡ ኮታስ ሓው ብሓው ዝተጠልመሉ መወዳእታ ዘይብሉ ጥልመት ዝረአናሉ ዘመን።

           ስለዝኾነ እየ ድማ ካብ ን ናብ ኢለ ከቐምጦ ዝመረጽኩ። እታ ካልኢት ብ ካልኢት፡ ደቒቕ ብ ደቒቕ፡ ሰዓት ብ ሰዓት መዓልቲ ብመዓልቲ፡ ወርሒ ብ ወርሒ ዓመተ ብ ዓመት እዩ ክቕየር እምበር እንታይ እዩ ክፍይድ እንተብልካስ እንድዒ እዩ እቲ መልሲ። እቲ ተንኮል፡ ሓሶት፡ ክፍአት፡ ጸለመ፡ ቅንኢ ኮታስ ገግናዩ ምቕጻሉ አይተርፎን እዩ። ህዝብና ትርጉም ናይ ጊዜ ካብ ዝሓኮ ንባዕሉ ነዊሕ ጊዜ ኮይኑ ንረኽቦ። ሰዓት ክልተ ዝቖጸርካዮ ሙሁር ዶክቶር ማዕርግ ዘለዎ ሰዓት ሰለስተ መጺኡ፡ ንሓደ ሰዓት አጸብዩካ ክንሱ ይቕረታ ከማን አይብለካን እንታይ ደአ ቀልቲፍካ ትመጽእ አይመሰልንን ኢሉ ነቲ ጥፍአቱ ተመሊሱ ቀልጢፍካ ክትመጽእ አይነበረካን ብዝዓይነቱ ንዓኻ የሰክመካ። ወይ ጊዜ ትብል ተገሪምካ። እወ ሕማቕ ጊዜ ዘመነ ጣልማይ ወዲ ገዛውትኻ፡ ወዲ ትምህርትኻ እቲ ብህይወትካ ከማን እትብጀወሉ መተዓቢትኻስ ንስኻ ኢኻ እምበር ዘይቀበጽካዮ ንሱ ደአ አብ ገዛውትኹም ዘይነበረ፡ አብ ቤት ትምህርትኹም ዘይትፈልጥዎ መሻርኽቲ መማኽርቲ ገይሩ እዩ። ወይ ሰብ ደቀይ ለካስ እምበአር ከምዚ ኸአ አሎ እዩ ትብል ከይፈተኻ።

            አብ ከምዚ ዝበለ ዶራን ዘመን እምበአር ኮይኑ ሓደ ንፍትሒ ከናድያ ድርብ ቃልሲ ክገብር ይግደድ። ነዞም ድርብ ቃልሲ ዘካይዱ እምበአር ህግደፍ ብአልማማ ተቓወምቲ ይብሎም። እቶም ህዝቢ ኤርትራ 4-5 ሚሊዮን ምዃኑ ዝረስዑ ካልአይ ገጽ ናይቲ ሰልዲ ድማ ናይ ተቓወምቲ ተቓወምቲ፡ ጸገንቲ  ክብሉ ይስምዑ። አብ ርብሒት አሉታ ምስ አሉታ ተራቢሑ አወንታ ውጽኢት ከም ዝህብ ድማ ንኽልተ ተቓወምቲ ቃላት አራጺምካ ደላይቲ ፍትሒ ዝብል ስም ክትህቦም ትግደድ። ኤርትራ ጽባሕ ንኽትህሉን፡ ስርዓተ ሕጊ ንኽህልዋን እዞም ደለይቲ ፍትሒ አዝዮም አገደስቲ እዮም። እዞም ደለይቲ ፍትሒ መን እዮም? ደቂ ምንታይ ብሄር፡ አውራጃ ወይ ሃይማኖት እዮም እንተተባሂሉ መልሱ ደቂ ኩሉ ብሄር ደቂ ኩሉ አውራጃ ደቂ ኩሉ ሃይማኖት ኮይኖም ንስለ ሓንቲ ፍትሒ ደው ዝብሉ እዮም። እንተ እቶም አብ ኢዶም ዘላ ፍትሒ ጓዕጺጾም ካብ ኣፍ ህግደፍ ፍትሒ ክምንዝዑ ዝህቅኑ፡ ቅድሚ ህዝባዊ አኼባ ብሚስጥራዊ ምትአኽኻብ ህዝባዊ ምርጫ ወዲኦም ዝመጹ ጸያቒቶታት፡ አብ ክፋእን ጽልእን ዝስስኑ አብ ቁም ነገር ዝስወሩ አምሰሉታት ብምንም መለክዒ ደለይቲ ፍትሒ ክኾኑ አይክእሉን እዮም።

             ሓንቲ ሃይማኖት፡ ብሄር ኮነ አውራጃ ዓብላሊ ቁጽሪ ዘይነቕሑ መጣቓዕቲ ወይ ፍትሒ ዘይርድኦም ተቓወምቲ ክህልዋ ይኽእል። እንተዘየልቦ ንሕና ዝበዛሕና ደለይቲ ፍትሒ አለውና ኢሉ ክንየት ዝኽእል ማንም ሃይማኖት፡ ብሄር ኮነ አውራጃ የልቦን። ደላይ ፍትሒ ካብ ብሱል ጥረ ምስ ልቦንኡ ዘሎ ሃገራዊ ምዃኑ አይንረስዕ። እንተዘየልቦ አብ ከባቢኻ ወይ አውራጃኻ መሰል ደቂ ሰባት (Human Rights) ዝምህራ ዩኒቨርሲቲታት ወይ ኮሌጃት ዘለዋኻ ይመስል አነ እየ ልዕሊ ሰበይ ንመሰለይ ዝቃለስ ዘለኹ ኢልካ እንታይነት መሰል፡ ፍትሕን ዲሞራስን ዘይፈልጡ ዓሳክር ብሓይሊ ሕሹኽሹኽ ምእካብ ጊዜያዊ ጓንጓ ሕሳባት፡ ጠጃኢ ውዲት መስመር ጥፍአት ሩዋንዳን ሶማሊያን ምዃኑ ዘይምርሳዕ።

         ንሓደ ዓርከይ እንታይ ኮይኖም እዮም እዞም ንሕና ንሱ ነዚ አረመኔ ኢሰያስ ዝድግፉ፡ ሃገር እዳጠፍኤት ቁሩብ አይሓስቡን ዲዮም ምስ በልክዎ ዝሃበኒ መልሲ አግሪሙለይ። መዓስ ይድግፉ ኮይኖም በለኒ፡ እንታይ ደአ ምስ በልክዎ ነታ ናይ ቀዳሞት ምስላ “ካብ ዘይትፈልጦ መልአኽሲ፡ ትፈልጦ ሰይጣን” ⷅይር አቢሉ “ካብ ዘይትፈልጦ ሰይጣንሲ፡ ትፈልጦ ሰይጣን” ኢዩ ነገሩ በለኒ። ቁሩብ ዝን ድሕሪ ምባል እንታይ ይብለኒ ምህላው ተረድአኒ። ሓቁ እዩ እቶም አብ ናይ ህግደፍ ዳንኬራ ከይዶም እስክትሽም ዝብሉ ከማን ስርዓት ኢሰያስ ክልወጥ ይደልዩ እዮም። እንታይ ደአ ነቲ ደቂሶም ፈቲኖሞ ዘይሰለጦም ሕልሚ ሕጂ ደቂሰ ክቕጽሎ እየ ዝብል አብ ርእሲ ሕልሞም ተደሪቡ ይሓልም ንዘሎ ሓድሽ ሓላሚ ይትረፍካ እዮም ዝብሉዎ ዘለው፡ ከምዝመስለኒ ነገራቱ አብ ርእሲ ዋጣ ዘውጠጢ ነየውጠጢ ብዝዓይነቱ።

           እዚ ኩሉ ስጊንጢር እኮ ፍትሒ ንምድላይ እዩ እምበር ከምቶም ረጎድቲ ቆርበት እንተንኽውንሲ ኤርትራ በቲ ኢልካ በቲ ፍትሒ ከውርደላ እዩ ኢልካ ትርንኪሉ ለጥ ምባል ይከአል ኔሩ። የግዳስ ሕልና ዝብልዎ ዘየደቅስ ኩርኳሕ አሎ። ስለዛ መሬት ስለ ህዝባ ቀትሪ ብጸሃይ ለይቲ ብወርሒ ንክትሓስብ ዝገብረካ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቃልስና አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ከመይ ኔሩ እንድሕር ኢልና ዳርጋ ጭርጭር ዓበደ ተቐይሩ እዩ ጸኒሑ። ሰባት ብስም ፍትሒ የዋጽአና’ዩ አብ ዝበልዎ ድፋዓት ክሕብኡ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ነታ ሚስጥራዊት መሕቢኢት ድፋዕ እንታይነታ ንህዝቢ ኤርትራ ክሕብሩ ድሮ ዓመት ኮይኑ። እዚ ኩሉ ሃልኪ እኮ ነታ ለውጢ ንምግባትን ስልጣን ህዝቢ ንምጭባጥን ዝግበር ከንቱ ሃቐነ’ዩ እምበር ቅንዕና እንተዝህሉ እዚ ኩሉ ፋሕ ብትን አይምሃለወን።  

           ከምቲ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ዝብሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕና ድማ ካብ ዘመነ ሓሶትን ምስሉይነትን ናብ ዘመነ ሓቀኛ ቃልሲ እንሰጋገረሉ እዋን ይግበረልና እዩ ዘብል። አብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ አእዛንና ዝሓርከኸ ጽውጽዋያት ኢና ሰሚዕና። አብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንኢሰያስን፡ ክልተ የማነ ማለት ማንኪን ቻርሊን ንፊሊጶስ ሓዊሱ አብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዘቃብጽ ሓይሊ ተፈጢሩ ሽታትኡ አጥፊኡ። ንኢሰያስ ዝቐተለ ሓሙሽተ ሚልዮና ንበዓል ማንኪ ቻርሊ ድማ ከክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ተገሚቶም ኔሮም አብቲ ዝወጸ ጨረታ። እታ ዝዓበየት ሽልማት ግና ንኢሰያስ ዝቐተለ አብ ባጤራ ኤርትራ ስእሉ ንዘንተ እለት ክነብር እዩ ትብል ነበረት። መቸም ዘይንሰምዖ የብልናን፡ ገና ነቲ ናይ መጻኢ ባጤራ ዘመሓድሩ ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ድሮ ተሽይሞም አለው ማለት ዲዩ?

            እዚ ጥራይ አይነበረን ህውተታ ሎሚ ዓመት። አብ አስመራ ክንደይ ሚስጥራውያን ጋዜጣታት ክዝርግሓ ምጅማረን ሰሚዕና። ምናልባት አይተ ኢሰያስ ነጻ ፕረስ አዚዞም ከይኮኑ ትብል እሞ፡ ንምንታይ ደአ አዳለውቲ ጋዜጣታት መታን እተን ዝተሃገራ ናይ ቀደም ጋዜጣታት ክዝከራ ምእንታን ነዘን ናይ ሕጂ ሰቲት፡ ቀስተ ደመና፡ አድማስ፡ መቓልሕ ዘይብሉወን ትብል። ልዕሊ ኩሉ እዘን ጋዜጣትታ ብኸመይ ይዝርግሓ አዝዩ ይጨንቀካ። ግና ጥርጣረታት አሎ ነዘን ጋዜጣትታ እትሸይጥ ህዝቢ ዝርእያ ካብ ህግደፍ ስውርቲ ሽሑር (Magic) ዘለዋ አንዳ መጻሕፍቲ ወይ ኪዮስኪ አብ ከባቢ ማርካቶ ወይ ባር ሮያል ተኸፊታ ከይትኸውን፡፡ ልክዕ ከም ብከኒና ምሕዋይ አቢዩዎ መርፍእ እንዶ አዙዙለይ ዝበለ ሕሙም፡ ነቶም ጋዜጣ አይጠቕመናን ዝበሉ’ውን መጽሔት ተዳልያትሎም አላ። አየ እወ ህውተታ ቃልሲ ናተይ እዩ አብ ኩሉ አለኹ ንምባል። እንድሕር ህዝብና ራድዮ ክሰምዕ ዝኽእል ኮይኑ እሞ ራድዮ ኤረና፡ መድረኽ፡ አሰና: EYSCን ስምረትን ዝአመሰላ በብሰዓቱ በብመዓልቱ ካብ ሓደጋ ወጻኢ ዝስምዓ ካብ ሃለዋ ንምንታይ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእትው ምዝርጋሕ ጋዜጣታት ተደልየ ? 

            እንታይከ ዘየስመዓትና 2014 ዓ.ም። ሰበር ዜና አብ ሕምብርቲ ህግደፍ አብ ውሽጢ ኤርትራ ኮማንዶ አለውና ዝብል’ውን ሰሚዕና። አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ርዒዱን ሕልንኡን ዓሪቡዎ እዩ፡ ስለዝኾነ ለውጢ ከምጽእ አይክእል እዩ፡ ኮይኑ ተሪፉ ለውጢ ካብ ደገ ሰራዊት ፈጢርካ ብሓገዝ ጎረባብቲ እዩ ዝከአል ኢልካ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምግዓር እዞም ኮማንዶ ደአ ካበይ ቦቖሉ ትብል? ዶስ እተን ቆረብትን ሰገድትን በዓል ዓባየይ አባ ሓጎይን እዮም ኮማንዶ ተቐይሮም? እቲ ዘገርም እቲ ሰበር ዜናስ ሓደ ምስቀተልና ዘይምኾነልና። አብዛ ብናይ እዝኒ ኩትሻ አዕለቕሊቓ ዘላ ሃገር ካን ሓደ ንመወዓውዒ ቃልስና ዝኸውን ዝቕንጸል ሃሱስ ሲኢኖም? ይፍታሓላ ኢልና ክንሓልፎ። ሓደ እዋን አብ ተሰነይ ፓንፍለት ተዘርጊሑ ዝሰምዓ ወዲ ተሰነይ፡ ናብ ገዝኡ ደዊሉ ገለ ዶ ናይ ፖለቲካ ጹሑፋት ተዘርጊሑ ክብል ንንእሽቶይ ሓፍቱ ምስ ሓተታ፡ መዓስ ክትብል ቁልቁል ዝአፉ ንሕትኡ ብ ሕቶ መለሰትሉ። ወዲ አግሪሙሉ ዝብሎ ምስ ጠፍኦ እዚ ፓንፍሌት ንግሆ ተደርቢዩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሽዑኡ እቶም ብንግህኡ ካብ ተሰነይ ናብ ከሰላ ስግረ ዶብ ዝጠፍኡ ዝነበሩ አልዒሎሞ ንከሰልኦም ተመርቂፎም ክኾኑ ይኽእሉ ድሕሪ ምባል፡ ሓሻካ ፓንፍሌት ካብ ስደት አትዩ ብዘይ ዕረፍቲ ናብ ስደት ተመሊሱ ብምባል ንነብሱ አጸናኒዕዋ ንብለኩም።

            ጸሓፋይ ንኹውንነት ሃገርን ህዝብን እዩ ከምቲ ዘለዎ ከንጸባርቕ ዝግብኦ። ጸሓፍቲ ህግደፍ ንኽውንነትና ገዲፎም ንዘየሎ ነገር ክውርቑ ዓመታት ዘይኮነስ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኮይኑ። ንሕና እውን ንኽውንነትና ከምቲ ዝድለ ከነንጸባርቕ አይጸናሕናን። እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ጉልባቡ ዝቐልዔ ፈተነ ዕልዋ አብ ሓቅነትን ቅንዕናን ተቃለስቲ ንሓርነትን ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላትን ድማ ውጽኢት ናይዚ ጥውጥዋይ መንገዲ እዩ። እስኪ ደሓን ይመሓየሽ ይኸውን ክበሃል እቲ መንሽሮ ሕብረተሰብ ቢኢስዎ እምበር ክፍወስ አይረአናን። ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ንቃልስና ዘየርብሕ ንመጻኢና ከጸልምት ዝኽእል ዉዲት ዕበጦ ዕበጦ ንወጻሉ መቐይሮ ዘመን ይግበረልና። መንገዲ ሓቂ እንዳፈለጥና ብውልቃዊ ዝና ወይ ምሕዝነት ተደሪኽና ሓቂ ምስ እንረግጻ ተመሊሳ ከምዛ ናይ ህግደፍ ጌራ ጽባሕ ከምእትረግጸና አይንረስዕ። እቲ ትማሊ ትማሊ ንህግደፍ ብሓደ እግሩ ጠልጠል ክብል ዝገበርናዮ እኮ ስንቅና ሓቀኛ ቃልሲ ስለዝነበርዩ። በንጻሩ ሕጂ ኮር ተገልበጥ ኮይኑ ህግደፍ ሕጂ ትንፋስ ክመልስ ንርእዮ አለና። እቲ ዶረና ትኪ ነቲ ከባቢ ዋላ እንተዓብዓቦ እታ ናብ ሰማይ እትዓርግ እታ ሮኬት እምበር እቲ ዶሮና ወይ ትኪ አይኮነን። እምበአርከስ ኩነታትና ገምጊምና እዛ ትመጽእ ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ መስገደላት ብትብዓት ሰጊሩ ናይ ሰላምን ራህዋን አየር ዘስተንፍሰላ ዓመት መታን ክትከውን ወዓል ሕደር ዘይበሃሎ ሓቀኛ ቃልሲ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ፍታሕ። ሓቀኛ ቃልሲ ምስ እነካይድ፡ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ንግበታ ንምክብባር፡ ካብ ንስልጣን ንስርዓተ ሕጊ፡ ካብ ንዱሑር ምትእኽኻብ ንሃገራዊ ጽላል እንድሕር ተማእዚዝና ክንዕወት ኢና። እንተዘየልቦ ዓመት መጸ ንሕና ክንትስፎ፡ ቁጽሪ ብ ቁጽሪ ክቀያየር ኢሰያስ ድማ ብአብርሃም ክትካእ እዩ።

ሩሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ - ካሊፎርንያ   

Eritrea in 2014: Highlights

Tuesday, 23 December 2014 19:50 Written by

By the EMDHR- South Africa

  1. Eritrea remained the only country in the world without a constitution. The 1997 constitution was rejected by the regime and has refused to implement it since;
  2. Eritrean remained the only country in the world without a national assembly;
  3. Eritrea remained without an independent media;
  4. Eritrea remained without an independent judiciary;
  5. Eritrea continued to be ruled by a tyrannical one-man totalitarian regime;
  6. Thousands of innocent Eritrean citizens continue to languish in prison without due process of law;
  7. Eritreans continued to be arbitrarily arrested by security agents of the regime and the extensive round ups by the army;
  8. Thousands were detained for trying to flee the country along all the borders of the country;
  9. The inhumane and degrading treatment of prisoners worsened. For instance, there have been many young Eritreans who experienced paralysis at the Adi Abeito detention facility as a result of torture and denial of medical treatment;  
  10. The dictator openly rejected the notion and practice of democracy in Eritrea;
  11. The pfdj declared by the tyrant the only alternative to lead the nation but in actual fact the pfdj is a defunct and dead organisation (a shadow of its old self)- unless the delusional despot is “living in the moon” (his own words always get back to haunt him);
  12. Militarisation of the education systems continued, high school students forced to go to Sawa and “college” students technically and effectively designated as military reservists;
  13. Mass conscription of Eritrean men as old as 70 intensified in 2014;
  14. Mass exodus of Eritrean youth continued, 3000-4000 a month left the country this year. e.g.. 37 000 of them claimed asylum in European countries;
  15. Hundreds of Eritrean migrants died in the Mediterranean Sea in 2014, a boat carrying 244 Eritrean disappeared and is believed to have capsized at the end of June, killing almost all of its passengers. Another boat carrying 177 people, mostly Eritreans capsized drowning its ill-fated passengers; 
  16. The refugee crisis continues to exacerbate in refugee camps and detentions in Sudan, Ethiopia, Israel, Yemen, Libya, and Egypt. This is a humanitarian emergency of huge proportion and the refugees are in desperate need of assistance;
  17. Power black outs worsened in Asmara and many other cities, and towns;
  18. Poverty and hunger continue to plague the Eritrean population inside the country. The Eritrean people are denied the right to receive international emergency assistance by the regime;
  19. Forced labour in the mining industry exploited by the mining companies;
  20. The collapse of the health care system affecting those in need resulting in the increase of the death rates;
  21. Social collapse accelerated, villages and towns are being emptied by continuous military recruitment and migration, leaving the infirm elderly left without care and support. It is reported many old people are living under unspeakable conditions in their twilight, denied of the honour they deserve;
  22. Mistreatment and malnutrition of the army worsens. Due to the size of the army the army is suffering from lack of food and no salaries paid. The regime keeps making promises it doesn’t keep. As a result the youth in the army are abandoning it for exile which is forcing the regime to recruit elderly people;
  23. Sexual abuses, rape and harassment continued to be perpetrated by army officers in Sawa and army units;
  24. Internal resistance is growing. For instance, opposition to the regime’s Sawa policy was openly defied by high school students and their parents who refused to go to Sawa, the dumping site of the youth’ childhood, knowledge, prime age, and their future;
  25. The countryside population is resisting the recruitment of the elderly and calls for them to go to military training;
  26. Institutions are near the verge of total collapse and as a result the regime has tried to desperately “restructure” by reshuffling the same idea and the same psychopathic henchmen;
  27. Isaias declared on 24 May 2014 that he would begin “drafting a constitution” but nothing ever was said about it since then and if it did come out it would have one line article which says- [“Do what we tell you to do”];
  28. Four catholic church bishops made a brave call for transformation titled “Where is your brother” which inspired many Eritreans inside the country and in the diaspora. As a result the regime  is underhandedly trying retaliate by arresting catholic priests and other hostile acts towards the church;
  29. The national economy has been reduced to a subsistence one, with lack of supplies in basic food and other essential commodities increasing. Lack of hard currency is also hitting the country due to the diversion of remittances to the smugglers run ‘industry’ outside the country and mismanagement of the economy by the irrational regime. This is expected to further deteriorate as a result of dwindling number of supporters (drying up the flow of hard currency) among Diaspora Eritreans which could shake the existence of the regime itself;
  30. In 2014 the United Nations Human Rights Council established a Commission of Inquiry to investigate the human rights abuses and crimes against humanity committed by the regime against defenceless citizens. The Council also appointed three commissioners to lead those investigations. The Council had already extended the mandate of the human rights Special Rapporteur, Ms. Sheila Keetharuth by another year and is also part of the Commission;
  31. A law suit was filed in 2014  in Canada against Nevsun Resources (a mining company operating the Bisha Mine) by three brave Eritreans supported by human rights activists;
  32. Eritrea remains under the UN Security Council Resolution which has made it difficult for the regime to collect the illegal 2% extortion;
  33. Despite crippling fragmentation among the the camp of “justice seekers” in the Diaspora, brave Eritreans have not stopped challenging the tyrannical regime which is put on the defensive and retreating. In 2014 there were lots of positive activities and events to embolden the Movement. The young generation has almost completely abandoned and rejected the regime and only one step remains- Decisive Action!
  34. All told, 2014 was grimmer and the Eritrean people and the country were worse off- unfortunately;
  35. Will 2015 be different? We will see…..but we hope to report the exact reverse at the end of 2015…..’fists clinched’!

We salute those who are trying what they can to change this grim picture of our Eritrea!

We wish the Eritrean Nation a Better and Happy New Year!!

EMDHR

22 December 2014

South Africa

መንእሰይ ክበሃል ብደርጃ ዕድመ ክጥመት እንከሎ፡ ነቲ ልዕሊ ህጻንነትን ኣብ ቅድመ ዓቕሚ ኣዳምን ዘሎ ግዜ ዘጠቓልል ህይወት ወዲሰብ እዩ።ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ድማ ናብ ምሉእ ስብእነት ንምብጻሕ ዝዳለወሉ፡ ወሳኒ ግዜ ናይ ወዲ ሰብ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዕድመ እዚ እኹል ተመኩሮ ከይወነነ ከሎ ብንጹህ ሓንጎል ስለዝጎዓዝ፡ ኩሉ እቲ ዝረኣዮን እቲ ዝሓስቦን ብሓንቲ ለይቲ ዝፍጸም ኮይኑ እዩ ዝስመዖ። ኣብ ከምዚ ዕድመ እዚ ከኣ ክፉእ ይኹን ጽቡቕ ንኽቕበል ድልው እዩ። ስለዚ መንእሰይ ትኩስ ወይ ውዑይ ሓይሊ እዩ። ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ኣብ ዝበጽሓሉወይ ምላት ስብእነት ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን ድማ ነፍሱ ፈሊጡ ዘዋጽኦን ዘየዋጽኦን ዝመምየሉ ግዜ ማለት እዩ። ካብ ከባቢኡ ብዙሕ ክፈልጥ፡ ክመሃር፡ ክምኰርን ከስተውዕል ስለዝኽእል፣ ከምቲ ብንእስነቱ ከሎ ዝህንደዶ ዝነበረ ኣይከውንን።

መንእሰይ ብባህሪኡ ንብሉይ ብሓዲሽ ዝትክእ ከም ምዃኑ መጠን፣ ነቲ ናቱ መጻኢ ግዜ ዝቕይስ እውን ማለት እዩ። ንኣብነት ቀዳሞት ወለድና ንሓዳር እትኾነካ ባዕሎም እዮም ዝማጽኡልካ ዝነበሩ። ሎሚ ግና እቲ ሓዲሽ ወለዶ ባዕሉ ወይ ባዕላ ብዝሓረያ ወይ ብዝሓረየቶ እዩ ሓዳር ዝፍጸም ዘሎ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክንርእዮ ከሎና ድማ ነታ ዝተወልደላ ሃገር ወይ መዳሕንቱ ዝተደፍነትላ ከምዝበሃል ንሃገረይ እንታይ ክገብረላ ኣሎኒ እሉ ዘይሓስብ መንእሰይ ውሑድ እዩ። ይኹን እምበር ተመኩሮ ዘለዎን ዘይብሉን መንእሰይ ሓደ ከምዘይኮነ ኩልና እንሰማማዓሉ ነጥቢ እዩ። ናይ ኣርባዕታት መንእሰይ ነቲ ናይ ሓምሳታት፡ እቲ ናይ ሓምሳታት ነቲ ናይ ሱሳታት፡ እቲ ናይ ሱሳታት ድማ ንናይ ሰብዓታት … ወዘተ እናኣውረሰ እዩ ክሳብ እዚ ዝሎናዮ በጺሕና ዝሎና። መንእሰይ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክመሃርን ክፈልጥን ድልው እንተዘይኮይኑ ግን፡ ነቲ እታ ሃገር እትጽበዮ ከማልእ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሃገረይ እንታይ ግደ ክጻወት፡ ንህዝበይከ እንታይ ክበርክተሉ ይኽእል? ዝብል ክምልስ ድሉው ዝኾነ መንእሰይ እዩ ድማ ንሃገሩን ህዝቡን ክሓሊ ዝኽእል። ሓደ ካብዚ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝግበኦ፣ መንእሰይ ንሃገሩ ክከላኸለላን ተማሂሩ ድማ ከገልግላን ዝብል እዩ።

መንእሰይ ብሓፈሻኡ መን ምዃኑ ንነፍሱ ኣጸቢቑ ኣብ ዘይፈልጠላ ህሞት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ነቲ ኣሎ ዝበሃል ሽግራት ብግቡእ ፈልዩ ዘለልዮን ዝፈልጦን እውን ኣይኮነን። ነዘን ክልተ ነጥብታት ክመልከን እንተዘይክኢሉ፡ ንሃገሩን ህዝቡን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ እውን ክጻገምን ክሽገርን እዩ። መንእሰይ ብፍላይ ኣብ ነጻነትን ማዕርነትን ፍትሕን ዘለዎ እምነት ድሩትን፣ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ኣፍልጦኡ ኣዝዩ ትሑት ምስ ዝኸውን፡ ነታ ሃገር መንሽሮ እዩ ዝኾና። ናይ ነጻነትን ማዕርነትን ፍትሕን እምነት ዘይውንን እንተኾይኑ ምስቲ ካልእ ማዕረ ምዃኑን ንኹሉ እትምልከት ፍትሒ ዘይኣምንን ምዃኑ ይስሕቶ እሞ ኣብ ጸብለልትነት፡ ነፍሰ ምትሓት ወይ እውን ኣብ ምቁንጻብን ምንእኣስን፡ ኣብ ጸቢብነት የተኩር። ነቲ ቅድሚኡ ዝተሰርሐ እውን ከም ቁምነገር ኣይቆጽሮን። ካብዚ ዝነቐለ እውን ይኸውን ነቶም ካብኡ ብትውልዲ ይኹን ብተመኩሮ ዝበልጽዎ ኣኽብሮት ዘይብሉ። ንኹሉ ብኣሉታ እምበር ብእወንታ ጀሚሩ ነቲ ሃጓፋት ወይ እውን ግድላት ፍታሕ ንምምጻእ ኣይጽዕርን።

መንእሰይ ክበሃል ከሎ ኣፍቃር ሃገሩን ህዝቡን ክሳብ ህይወቱ ብጃ ዝህብን ምዃኑ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ስኑድ እዩ። ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን መንእሰይ እምበኣር ንመጻኢ ዕድል ሃገሩ ብሩህ ንምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ብዕምቈት ተረዲኡ ነታ ሃገሩ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸገማት ከላቕቓ ይኽእልዶ? ሓላፍነት ንኽስከምከ እንታይ የድልዮ? ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዝርከብ መንእሰይ ብዘይካ እታ መዳሕንቱ ዝተደፍነትላ ሃገር ካልእ ሃገር የብሉን። ኣብ ዝኸደ ይኺድ ተመሊሱ ኣብ ሃገሩን ህዝቡን እዩ ዝምለስ። ተሰዲዱ ሽሕ ግዜ ይጥዓሞ ንሃገሩን ህዝቡን ግን ፈጺሙ ካብ ኣእምሮኡ ኣይሓክኽን እዩ። ኩሉ ግዜ ድማ ናብታ ሃገሩን ህዝቡን ቁልሕ ምስ በለን ምስ ሓሰበን ኣስተንተነን እዩ። ወሓይዝን፡ ጎቦታትን እምባታትን፡ ሩባታትን ፈለጋትን ሃገሩ፡ ባህልን ልምድን እንዳቦታቱ ወትሩ ክርኢ ዝደፋነቕ እዩ። ነዚ መዝነት እዚ ክስከም እምበኣር ግቡእ ትምህርቲ ክሰንቕ የድልዮ።

ናብ መንእሰያት ደቂ ሃገረይ ኢርትራ ንመለስ እሞ ከመይ ዝበለ መንአሰይ እዩ ዘሎና ዝብል ሓሳብ ኩልና ብንቕሓትን ብኣፍልጦን ተመራሚርና ክንበጽሖ ኣሎና። ቀዳማይ ናይ ዕድመ ምትሕውዋስ ኣሎ። ኣቦታት ክምስሉ "ወዲ ኣርብዓ ዘርባዕባዓ፡ ይብሉ። ኣብ ዝመንና ግና ዝወለዱን ዝዘመዱን ደቂ ኣርባዓን ልዕሊኡን፡ መንእስያት ካብ ዝብል ስም ክላቐቑ ዘይመርጹን፡ ነቲ ሓቀኛ ዕቤት መንእሰያት ዝዓናቕፉን ይርከቡ እዮም። እወ ንሳቶምእውን መብዛሕታኦም ግዜ ንእስነቶም ከም መንእሰያት ዘይጸገቡ፡ ዝተበደሉ ዕድመ ንእስነቶም ብምልኪ ዝተሰርቀ ስለ ዝዀነ፡ ነት ዕድመ'ቲ ክብህግዎን ኣባኡ ክነብሩን ኣገራሚ ኣይኰነን። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ማሕበራዊ ሽግራት የስዕብ ምኽንያቱ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ኣብ ሕብረተሰብና ዝነበረ ጠቓምን ጎዳእን ባህልን ልምድን ሓዋዊስካ ናይ ምድምሳሱ ዝርኣየሉ ህሞት እና በጺሕና ዘሎና። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ማሕበራዊ ሽግራትን፡ መዓት ግድላትን እውን ኣሎና። ንኣብነት ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ሕማም፡ ከምኡ እውን ሕድሕድ ዘይምትእምማን ስለዘሎ፣ እቲ መንእሰይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ነንሓድሕዱ ክገራጮን ከፈላለን ኣብ ቅርሕንትታት ተዋሒጡ ኣብ ዘየድሊ ኣቕጣጫ ክምርሽ ይርከብ። ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ፡ ነታ ሃገር ብኹሉ መዳያታ፣ ሓድነታ ኣዕቁባ ክትብልጽግ ዝብል ክሓስበላ ይኽእልዶ? ኣነ ንበይነይ ብዘካይ ነዛ ሃገር ከድሕና ዝኽእል የሎን እናተባህለ እሞ ከኣ ብኣውራጃ ወይ ብብሄር እንተዘይተጠርነፍኩም ዝፍታሕ ሽግር የለን ብምባል ነዛ ሃገር የድሕንዶ?

ስለዚ፡ መንእሰይ ሃገርና ነቲ ‘ኩልና እምበር ንበይነይ ዝገብሮ የብለይን’’ ዝብል ጭርሖ ክዕጠቕ ይግባእ። ንበይነይ ዝገበሮ የብለይን ማለት ድማ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኹሉ ፍልልያቱን ሕብሩን ሃይማኖቱን ብሄራቱን ኣውርጃታቱን ተጠርኒፉ ሓንቲ ዝኾርዓላ ሃገር ምፍጣር ማለት እዩ። ከምዚ ምስ ዝገበር ድማ እዩ እቲ መንእሰይ ነቲ ህዝብና ዝብህጎን ዝጽውዖን መልሲ ክህበሉ ዝኽእል። ካብዚ ብዝተረፈ ንጽባሕ እዛ ሃገር እዚኣ ሰላምን ውህደትን ሕውነትን ስኒትን ዝሰፈና ክትከውን እንተኾይኑ ብመገዲ ምፍልላይ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ እቲ መንእሰይ ንገዛእ ርእሱ ንለወጢ ቅሩብ ክኸውንን ነቲ ለውጢ ድማ ብመንጽር ሓባራውን ኣሳታፍነትን ክርእዮ ይግባእ። እዚ ከኣ ኩሉ መንእሰይ ካብ ናይ ከፋፋሊ ወይ ፈላላዪ ፖለቲካ ጸጊዕነት ነጻ ኮይኑ ነቲ ማሕበራዊ ምፍንጫላት ዘዕሙቝን ዘባልሕን ኩነታት ወጊድ ክብልን ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ክኽተል የድሊ። ናብዚ ንምብጻሕ ድማ መንእሰይ ንኹሉ ክጥርንፍን ብዘይኣፈላላይ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ዕላማ ክውንን ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እዚ በበይንኻ ኰንካ ሑሕ ምባል ናይ ጽልኢ ለበዳ ሕማም ምስፍሕፋሕ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ።

ስለዚ፡ መንእሰይ ብፖለቲካዊ ውደባ ይኹን ብበርጌሳዊ ማህበር ይወደብ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ መስመር ዝዕኵዅ ወይ ዘህስስ ወይ እውን ዝዕወት ወይ ዝፈሽል፣ ዲዩ ኣመዛዚኑ ክርዳእ ኣለዎ። ከምኡ እውን እቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ኣተሓስስባ ዝተጠርነፈን ዝተሓቛቘፈን ሕብረተሰብ ክፈጥር ይኽእልዶ ኣይክእልን ዝመዝንን ዝግምግምን ከኸውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ዲሞክራሲያዊ ባህልን ኣተሓሳስባን ዝጠናኸረሉ እንኮ መገዲ ኣብቲ ባህሪ ናይ ንሱ ዝተወደበሉ ፖለቲካዊ ሰልፊ ይኹን በርጌሳዊ ማሕበር ዝመርኮስ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሕብረተሰብ መቓቒልካ ናብ ትደልዮ ዓወት ከምዘየብጽሕ እውን ብኣግኡ ከስተብህለሉ ኣለዎ። እቲ ዓወት ዝበሃል ዘሎ ድማ ንፍልልያት ካብ ምግፍሑ ንምጽባቡ ብምውሳእ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምፍጣር ማለት ኣዩ። ዎ! ኤርትራዊ መንእሰይ፡ እዛ ሃገርካ ኤርትራ ትደልየካ ኣላ ክበሃል ከሎ ካባኻ እንታይ ትጽበ ኣላ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ክትበቅዕ ኣሎካ። ንሱ ድማ ነቲ እታ ሃገርካ ትደልዮ ብመገዲ ምፍልላይን፡ ምግርጫውን ድዩ ወይስ ብቕኑዕን ንኹሉ ዝጥርንፍ ኣገባብ ፈሊኻ ምግንዛብ እዩ።

ድራር መንታይ

ዝተበደለ መንእስይ

Tuesday, 26 August 2014 17:37 Written by

1ይ ክፋል (ካብ 2 ክፋላት)

 ናህርን ሓቀኛ ስምዒትን ዘይምንሓፍን ወዘተ ገለ ካብ ናይ መንእሰይ ባህርያት ኢዩ ይበሃል።  ከምኡውን፡  ኣብ ህዝባዊ ሓልዮት ዘተኮረ፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ዘሰልፎ ጭርሖን ቃልስን ምክያድ፡ እንተወሓደ ድማ ድጋፈ-ሕልና ምውካፍን፡ ብሓጺሩ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ከየተኮረ ኣብ ፍትሕን ናይ ህዝቢ ሓልዮትን ምግዳስ፤ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ መለልዪ ናይ መንእሰይ ኢዩ  ክበህል ይከኣል። እዚ ጠባይዚ ድማ ንመንእሰይ ናብቲ ናይ ኣመሓያሽን ደላይ ለውጥን ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ይጽንብሮ። ነዚ ከየማልአ ወይ በዚ ዘይሓለፈ መንእሰይ፤ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመኡን ታሪኹን ሓደ ዝዝንቶ መድረኽ ከምዝሓለፎ ከይተሰምዖ ኣይክተርፍን ኢዩ እንተበልኩ ጌጋ ኣይመስለንን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ’ውን፡ ኣብ ምምዕባል መንነትን ሰብነትን (personality) ናይ ሓደ መንእሰይ ግደ ዘለዎ ብምዃኑ ከእ፤ ኣብ ዕድመ መንእሰይ ክሕለፍ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣሰራቱ ክገድፍ ይኽእል ይኸውን። ግንከ ኩሉ መንእሰይ ነዚ የማልእዶ? ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝርከብ መንእሰይከ ነዚ ባህርያትዚ ከንጸባርቕ ማዕረ ዕድል ይረክብዶ? ኩሉ መንእሰይከ እወንታዊ ጎደና ጥራሕ ድዩ ዝኽተል? ንዝብሉ ሕቶታትን ካልኦት ምስ መንእሰይነት ዝተእሳሰሩን ብሓጺሩ ንክምልስ ኣብ ታሕቲ ተንኪፈዮ ኣለኹ።

 

المحترمون أعضاء مؤتمر الشباب الارتري

المشاركون الاعزاء

نود ، نحن الشباب أعضاء حزب الشعب الديمقراطي الارتري، عبر مكتب شؤون الشباب بالحزب ، وبمناسبة انعقاد مؤتمر الشباب الارتري الذي تعقدونه بمدينة واشنطن الامريكية ، ان نعبر لكم عن تمنياتنا لمؤتمركم هذا النجاح ، وأن نبعث لجميع المشاركين فيه بتحياتنا وتضامننا.

ዝኸበርኩም ኣካየድቲ ኮንፈረንስ መንኣሰያት ኤርትራን፡

ዕዙዛት ተሳተፍቲን

ንሕና መንእሰያት ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት፡  ኣቢልና፡ ነዚ ኣብ ዋሽንግትን ዲ.ሲ. ሕ.መ.ኣ. እተካይድዎ ዘለኹም፡ ኮንፈረንስ መንእስያት  ኤርትራ፡ ምኽንያት ብምግባር፡  ዕውት ክኽውን ምንዮትና እናገለጽና  ንመላእ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ሰላምታናን፡ ምሕዝነትናን ክነመሓላልፍ ንፈቱ።

ኣብ ከተማ ሊምቡርግ፡ ጀርመን፡ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሎሚ ዕለት 27 ግንቦት ውን ካብ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ቀጺሉ ውዒሉ።