በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲመክራስያዊ ለውጢ ንሓድሽ ዓመት 2017  ብውዕዉዕን ሐድሽ መንፍስን ተቀቢልዋ።እቲ ከምቲ  ወትሩ  መእተዊ ድሮ ሓድሽ  ዓመት  ዝገብሮ ናይ ምዝንጋዕ መደቡ ሎሚ ዓመት እውን ዝተፈላለዩ  ሙዚቀኛታት ብምድላው ኣማኢት ህዝቢ ዝተሳተፎ   ዕዉት ምሸት ኒሩ። በይ  ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ  ንኩሉ ደላይ ለውጢ  ፍልልያቱ ብዘይ የገድስ ኣብ ሓደ ጽላል ብምጥናፍ  ኣብ ኤርትራ ሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምንጋስ  ዝቅለስ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።እዚ ህዝባዊ ምዕበል' ብህዝቢ ዝተመርጹ  7 ቀወምቲ 2 ዳማ ተጠባበቅቲ  ኣባላት ቦርድ ዘለውዎ ህዝባዊ ማዕበል እዩ። በዚ ሕጋዊ ኣስራርሓ እዚ ድማ  ወርሓዊ ኣኬባታቱ  ርብዓዊ  መንፍቃዊን ዓመታውን ገምጋም ሰርሑ ናብ ህዝቢ  ብምቅራብ  ኣወንታውን ኣሉታውን ጎንታቱ ምስ ህዝቡ  ይግምግም።  ኣብ  ከክልተ ዓመት ድማ  ጉባኤኡ ብምድላው ኣባላት ቦርዱ ይቅይር  

 

በይ ኤርያ  ኣብ ዓመት    5 ህዝባዊ ሃገራውን  ባዓላት የዳሉ ። ከከም ኩነታቱ  ብምዝንጋዕን ብሰሚናራትን  የብ ዕሎም   በይ ኤርያ  ኣብዚ ምንቅስቃስ  እዚ ተጠርኒፉ ኣንጻር  ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ንለውጢ እጅሙ ከበርክት ንዝደሊ ኩሉ  ማዕጽ ውርትሩ ክፉት ምካኑ ይሕብርን ኩሉ ተሳትፉ ከረጋግጽ ድማ ይጽውዕ።


እንቢ ንምልኪ!!
እወ ንፍትሒ!!
በይ ኤርያ ንዲሞክራስያዊ  ለውጢ

ናይ ብዙሕ እነፍቅራ ኣዴና ወ/ሮ ተበርህእንታይነታን ልቦናኣን ሓልዮት ሰብን ሕያውነትን፡ ብጽሑፍ ጥራሕ ክትገልጾ ዘይትኽእል ኣዝዩ ልዑል እዩ። ይኹን እምበር ጽማቕ ሓጺር ታሪኽ ብኸምዚ ዝስዕብ እንሆ። ወ/ሮ ተበርህ ካብ ኣቡኣ ባሻይ ገብረዝጊኣብሄር ተስፋሚካኤልን ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ተበርህ ሃይማኖት ንጉስን ሰነ 26, 1932 ኣብ ዓዲ ጸባርያ መራጉዝ ሰራዬ ኤርትራ ተወልደት። ዕድሚኣ ዓቕሚእዳም ምስ በጽሔት ናይ ቃል ኪዳን ስነስርዓት ምስ በረምበራስ ተስፍስላሴ ገብሩ ወልዱ ምስፈጸመት፡ ክልቲኦም ሰብ ቃል-ኪዳን 9 ቆልዑ ወለዱ።ንሳቶም ድማ ነፍስሄር ኣለም ተስፋስላሴ፡ ነስፍሰሄር ፍስሃየ ተስፋስላሴ ሄዋን ተስፋስላሴ፡ ሮማ ተስፋስላሴ፡ ማጆር ተስፋስላሴ፡ ኣስመረት ተኣስፋስላሴ፡ ሚካኤል ተስፋስላሴ፡ ኣልማዝ ተስፋስላሴ፡ ዮዲት ተስፋስላሴ እዮም። ወ/ሮ ተበርህ ብኹሉ ፍትውት ህርኩትን፡ ብሕያውነታ ፍሉጥ ለጋስን ምስ ዓበይትን ናእሽቱን ክተጻወትን ከተዕልልን ዝኽእል ፍሕሽውን ብቐሊል ክትካእ ዘይክእል ወላዲት እያ። ወ/ሮ ተበርህ ኣላይን መፍቀርሪትን ስድራቤታን ዝኾነት ፍትውቲ ኣዴና ተበርህ ኩሎም ደቃን ደቂደቃን ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክትርኢ ትምኒታ እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ባህርያዊ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ግዴታ ኮይኑ ሎሚ ብስጋዊ ሞት እንተተፈለየትና፡ ኣዴና ተበርህ ወትሩ ካብ መንፈሳዊ ዝኽሪታትና ኣይትፍለን እያ። ኩሎም ኤተሰባን ዝፍልጥዋ ኤርትራውያን ማሕበረ-ሰብ ክዝክርዋ ክነብሩ እዮም። ኣዴና ወ/ሮ ተበርህ ሎሚ ንተፍቅሮም የሕዋታን ደቃን ደቂደቃን ክምእውን ኣንስቲ ደቃን ሰብኡት ደቃን ገዲፋ እያ ብሞት ተፈልያትና። ሞት ናብ ኩሉ ብተራ ዝበጽሕ ዕጫ ወዲ ሰብ ኢዩሞ ንኣዴና ወ/ሮ ተበርህ መንገስተ ሰማያት የዋርስኪ ድሓን ኩኒ ኢልና ንመወዳእታ ጌዜ ብምፍናው፡ ንኽብራት ደቃን ደቂደኣን ብምሉኦም ቤተሰባን ኣምላኽ ፍጹም ጽንዓት ይሃብኩም።  

ኣዴና ወ/ሮ ተበርህ ድሓን ኩኒ፡ መንግሰተ ሰማያት የዋርስኪ።

ተጋዳላይ  ኣልኣዛር፥ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአን፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርአጋብርን ኣብ ከተማ ኣስመራ ገዛ ከኒሻ ተወሊዱ ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ዓብዩ።።  ኣልኣዛር ጌና  ንእሽቶ ተመሃራይ እንከሎ እዩ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝኣተወ። እዚ ድማ  ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ሃገራዊ ሓርበኝነትን ስምዒትን ዝወረሶ እዩ ነይሩ። ኣልኣዛር በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገር፡ ካብ ሱሳታት ኣትሒዙ ናብ ሃገራውን ፖለቲካውን ቃልሲ ዝተሳተፈ። በዚ ኣቢሉ ኣልኣዛር_ኣብ ማሕበር ሸውዓተ፡ ኣብቲ ናይ ኣስመራ  ምስጢራዊ ስርዒት ኣባል ኮይኑ ክነጥፍ ጀመረ። ብድሕሪ እዚ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ብረት ከምጽእ ተላእከ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምታ ዝተባህለቶ መደብ ብርክት ዝበለ ብረት ሒዙ ምስ ብጾቱ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ብረት ሒዙ ከም ዝመጸ ብኣባላት ስለያ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተፈልጠ፥ ንብጾቱን ነቲ ብረትን ከም ዝወጽእ ገበረ’ሞ ንሱ’ውን ክቃለስ ናብ ብጾቱ ተጸንበረ። ንኣልኣዛር ምሓዝ ዝሰኣነ ስለያ ጸላኢ ከኣ ንኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርኤን ንኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርኣጋብርን “ወድኹም ኣበይ ኣሎ? ኣምጽእዎ” ብምምባል ብዙሕ ኣሳቐዮም።

ድሕሪ እዚ ሜዳ ወጺኡ እናተቃለሰ እንከሎ፡ ምስ ተወልደብርሃን ዝበሃል ብጻዩ ስንቂ ከምጽእ ምስ ተላእከ ኣብ በለዛ ብኮማንዲስ ተታሒዙ ተኣስረ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከኣ ፈራዳይ፥ “ስለምንታይ ንሜዳ ወጺኢካ?” ኢሉ ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ  “ንባንደራይ ክብል እየ” ኢሉ መለሰ። ፈራዳይ ብዙሕ ባንደራታት ኣቕሪቡ ስለ ዝጸንሐ፥ “ኣየነይቲ ካብዚአን እያ ባንድራኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ካብ ማእከል ብዙሓት ባንደራታት ድማ ፈልዩ  “እዚኣ እያ ባንደራ ሃገረይ” ኢሉ ነታ ባንደራ ኤርትራ ኣልዒሉ ብድፍረት ኣርኣዮም።  ድሕሪ’ዚ ብጻዕሪ ናይ ክቡር ወላዲኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአ፥ ኣልኣዛር ካብ 1961 ክሳብ 1963 ካብ ዝተኣሰረላ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክወጽእ ከኣለ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝቃለሶ ዝነበረ ቃልሲ፥ በቲ ናይ ማእሰርቲ ርዒዱ ወይ ተዳሂሉ ኣየቋረጾን። ቀጺሉ ናብርኡ እንዳኣካየደ መጽሔታት ምዝርጋሕን ምውዳብን ካልእ ስራሓትን እንዳማለአ ይነጥፍ ነበረ።  ሓደ ግዜ ካብቶም መጽሔት ዝዓደሎም ሓደ፡ ነታ መጽሐት ከንብባ ከሎ ብስለያ ይተሓዝ። እዚ ዝተታሕዘ ሰብ “ነዛ መጽሔት መን እዩ ሂቡካ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ “ኣልኣዛር ሂቡኒ” ኢሉ መለሰ። ስለያ ብቐጥታ ናብ እንዳ ቀለተ ዘርአ ይመጹ’ሞ ንመርዓ ኣልኣዛር ዳስ እንዳተሰርሐ፥ ኣልኣዛር ብማዕዶ ምስ ረኣዮም ንእሽቶ ወረቕት ጽሒፉ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንሓደ “ነቦይ  ሃበለይ” ኢሉ ይህቦ። ስለያ ንኣልኣዛር ሒዞሞ ምስ ከዱ፡ ኣቶ ቀለተ ናብ ጠበቓ ኣቶ ተኽለ ካሳ ከዱ። ነቲ ጠበቓ “ወደይ ኣልኣዛር ኣብ ድሮ መርዓኡ ብወተሃደራት ተታሒዙ ኣሎ” ኢሎም ይሕብርዎ። እቲ ጠበቓ ከኣ መርዓዊ ክቡር ስለዝኾነ ክእሰር ኣይግባኣን’ዩ ብዝብል መጎት ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕረበ። ቀዳም መዓልቲ ከኣ ቤት ፍርዲተኸፊቱ ንኣልኣዛር ፍርዲ ተዋህቦ። እቲ ፍርዲ ከኣ  ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጽእን፥ እንደገና ኣብ ከምዚ ስራሓት ምስ ዝዋፈርን  ዝጽበዮ ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ ብዝብል  መጠንቀቕታ  ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጽእ ተገብረ።

እንተኾነ ሕጂ እውን ኣልኣዛር ነቲ ቃልሱ ብምቕጻል ምስ ተጋደልቲ እናተራኸበ፥ ተጋደልቲ ዝለኣኽዎ የማልእ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምስ ተጋደልቲ ክራኸብ  ኣብ መዓልዲ መሬት ደቀ-ምሓረ ደምበዛን ይኸይድ”ሞ እንደገና ብኮማንዲስ ተታሕዘ።  እቲ ዝሓዞ ኣባል ኮማንዲስ “ንስኻ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበካ መጠንቀቕታ ኣሎካ፡ ኣብዚ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክብል ንኣልእዛር ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ እንዳ ኣባሓጎይ ክርኢ መጺኤ ክብል መልሲ ሃቦ። እቲ ኮማንዲስ ንመንግስቲ እንተ ኣረኪብዎ፥ ኣልኣዛር ሞት ክፍረድ ምዃኑን ስለ ዝተረደአ እሞ ድማ ንወለዲ ኣልኣዛር ይፈልጦም ስለ ዝነበረ  ኣሕሊፉ ንጸላኢ ኣይሃቦን። ኣብ ክንድኡ  ’’ ንስኻ በቲ መንግስቲ ተፈሪዱካ ዘሎ ሞት እዩ ዝጽበየካ፥ ግን ከኣ ምእንቲ እቶም ወለድኻ  ምሒረካ ኣሎኹ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣፋነዎ። ሕጂ’ውን ኣልኣዛር ጌና ከም ቀደሙ ነቲ ቃልሱ ቀጺልዎ እምበር ኣየቋረጾን።  ከምዚ እናገበረ እንከሎ ኣብ ግዜ ደርግ እንደገና ስሙ ኣብ ዝርዝር ጥርጡራት ስለ ዝጸንሐ ወተሃደራት ናብታ ኣልኣዛር ዝሰርሓላ ዝነበረ ኣንዳ ባራቶሎ መጹ። ነቲ ሓላፊ ኢጣልያዊ ከኣ ስም ኣልኣዛር ጠቒሶም ኣምጸኣልና በልዎ። እቲ ኢጣልያዊ ኣልኣዛር  ብምኽንያት ስራሕ ውጺኡ ኣሎ ኢሉ ኮፍ ኣበሎም። እዚ ኢጣልያዊ ንሰብኣይ ሓብቱ ብቋንቋ ጣልያን ገይሩ ንኣልኣዛር “ኣብዚ ከይትምለስ ኢልካ ንገሮ”  በሎ። ሽዑ ኣልኣዛር ብኣ ኣቢሉ ብ1975 ናብ ሜዳ ወጺኡ።

ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ነታ ቅድም ክብል ኣብ ዓዲ እንከሎ ዝነበረቶ  ናይ ምምራሕ መኪና ሞያኡ ሓቢኡ ኣብ ሓይልታት ሰራዊት ማለት ኣብ ቦጦሎኒ 375 ኣብ ከቢድ ብረት ተመደበ።  ሓደ እዋን ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነትን ወተሃደራት ጸላእን ኣብ ዝተገብረ ውግእ መካይን ስለዝተማረኻ፥ ነተን ዝተማረኻ መካይን ንምውጻእ “መራሕቲ መካይን ዝነበርኩም” ከበሃል እንከሎ ተሳኢኖም ክጭነቑ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሽግር ንምቅላል “ኣነ ኣሎኹ” ኢሉ ነተን ማካይን ከም ዝወጻ ካብ ዝገበሩ ሓደ ንሱ ነይሩ ። ከምኡ ተዘይገብር ግና ነተን ዝተማረኻ መካይን ጸላኢ መሊሱ መወሰደን ነይሩ።  ካብ’ቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ሞያኡ  ምምራሕ መኪና ምዃኑ ተፈልጠ’ሞ ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ተመዲቡ  ንሰራዊትን ህዝብን ዝኸውን ኣድላዪ ነገራት ኣብ ምቕራብ ክሳብ 1981 ብትብዓትን ብቆራጸትን  ተቓሊሱ።

ብድሕሪ 1981 ከኣ ከም ሰቡ ንሃገረ  ጀርመን ተሰዲዱ። ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ሃገር ጀርመን’ውን ከይተረፈ  ብሓቦን ፍቕሪ ሃገርን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንገዐ፡ ቅድም  ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰራዊ ባይቶ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣልኣዛር ብህይወቱ እንከሎ፥  “ጸላኢ ኣይኮነንዶ፡ ህይወተይ፡ ሞይተ”ውን ረሳይ ኣይረክብን እዩ” ይብል ነይሩ። ቀጺሉ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከየልገሰ እንተ መይተ፡ ኣስከረነይን ኣስከሬን ብጾተይን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢስያስ’ዩ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ዝቕበር’ውን ይብል ነይሩ።

ኣልኣዛር፡  ክሳብ ዕለተ ሞቱ ነታ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኢሉ ዝተሰለፈላ ዕላማ የማን ጸጋም፥ ወለቕ ዘለቕ ከይበለ ብጉልበት ይኹን ብንዋት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 ማዝያ 2016 ዓሪፉ። ብ22 ማዝያ 2016 ከኣ ኣብ ፕራግፍሪድሆፍ  ሃገረ ጀርመን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣልኣዛር ከምታ ባህታ ሓጎስ ሞይቶም ኣብ መሬት ዓደቦኦም ከይተቐብሩ ጸኒሖም ድሕሪ ሱሳ ዓመታት ኣስከረኖም ናብ ዓዶም ተመሊሱ ዝተቐብረ፥ ሕጂ እውን ኣስከረን ኣልኣዛርን ኩሎም ኤርትራውያን ሕስርብኛታትን ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ኣብ ዓዶም ዝቕበረሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ።  ኣልኣዛር ዋላ’ኳ ካብ ዝፈትዎም ስድራቤቱን መቓልስቱን ብሞት እንተተፈልየ፡ ጽንዓቱን መትከሉን ግና ናብ ዝትክእዎ ደቁ  ስለዘውረሰ  ታሪኹ ህያው ኮይኑ ንዘለኣለም ክዝከር እዩ።

 

 

ዕድመ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ሰላምን ፍቅርን

ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 3, 2017 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም።  ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12  ፋዱስ ኢዩ።

ብደሓን ምጹ!

ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!

ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE.  THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.

WELCOME!

DATE JUNE 03, 2017

LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)

                         1600 SENTER ROAD

                         SAN JOSE, CA 95112

PRAYER TIME: 12:00  P.M.

PROGRAMS INCLUDE CHILDREN  AND ADULT ACTIVITIES.

PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.

THE BAY AREA CATHOLIC  COMMITTEE

 

SAN JOSE, SAN FRANCISCO, OAKLAND, BERKELY, & SANTA ROSA

ሰንበት ዕለት 3 ወርሒ ሚያዝያ 2016 . ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዳግማይ ጸላም ሰንበት ህልቂት ኣቑርደት ኮይና ተመዝጊባ' ሓሊፋ። ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ መዓንጣ ከብዱ ተቐሪጹ ብጓሂ ሕርር ኩምትር ኢሉ ንረኽቦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ መሪርን ኣሰልካይን ቃልሲ ናጽነቱ ምስ ተጎናጸፈ ከምዚ ዓይነት ባርባራዊ ህልቂት ዳግማይ ክወርዶ ፍጹም ኣይተጸበየን፡ እሞ ድማ በቶም ንስለኻ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ተጋዲልና ዝበልዎ ጠላማት ሕድሪ ዝኾኑ መራሕቲ ህግደፍ።

ቶኪስካ ቅተል ዝብል መምርሒ ብዘይ ዕላዊ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ካብ ዝእወጅ ነዊሕ ኮይኑ አዩ። ክንደይ ጎዮም ዘይጸገቡ ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ዕሸላት ኤርትራውያን መንእሰያት ብተመልከተለይ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብምክትታል ዶባት ብዝበሃል ኣሃዱ ድራር ጥይት ኮይኖም እዮም። ንቡር ቀባሪ ዝሰኣነ ሬሳታቶም እውን ቀለብ ኣዛብእን ኣራዊትን ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ እቲ ብደው ዝደቀሰ ሕልና ኣልቦ ጥራይ አዩ። እዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛን ንዕቀትን ደረት ሓሊፍዎ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ኣብ ማእከል ህዝብን ዕዳጋን ተፈጺሙ ኣሎ። አቶም እምቢ ንጉዱድ ባርነት ኢሎም ካብ ዘጓዓዕዝኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት ማኪና ክዘሉን ክሃድሙን ዝፈተኑ መንእሰያት ብወተሃደራት ህግደፍ ብጥይት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተረሺኖም ኣለው። ስጋብ ሕጂ ተረጋጊጹ ከም ዘሎ ህይወት 11 መንእሰያት ደም ከልቢ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕፍር ድማ ወሃብቲ ቃል እቲ ጭፍራ ካብቲ ማኪና ክዘሉ ዝፈተኑ ተዓላሞ ሳዋ ብዝወረዶም ናይ ሞት ሓደጋ ንሓዝን ክብሉ ኣባጭዮም። ንሕና ኤርትራውያን ግና ነዚ ጨካን ስራዓት ዝፈጸሞ ሰፍ ዘይብል ግህሰት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ንኹንን። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኦክላንድን ምሉእ ቤይ ኤርያን ድማ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ቅንጸላ መንእሰያት ኮኒንናዮ። ካብ ምኹናን ሓሊፍና ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ህንጻ  ማለት ስርዓት ህግደፍ ንፕሮፖጋንዳን፡ ራዕድን እከይ ተጋብራትን ዘዋፍረሉ ብምኻድ ንባርባራዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዑ ፖስተራት ኣብቲ መንደቕ ናይቲ ህንጻ ድሕሪ ምልጣፍ፡ ንክብሪ ግዳያት ጸላም ሰንበት ኣስመራ ድማ ሽምዓ ድሕሪ ምብራህ ሕቋፍ ዕንባባታት ኣንቢርናሎም። ነታ ኣብ ነዊሕ ዘንጊ ትሕት ኢላ ዝተሰቕለት ባንዴር ኤርትራ ድማ ብኽብሪ ተኺልናያ። ነቲ ንቡር ክብሪ ህዝብን ባንዴራን ዘይርድኦም ካድራት ህግደፍ ድማ ትርጉም ህዝብን ባንዴራን ከምዝፈልጡ ጌርናዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ህዝብና ኣሰርና ሲዒቡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ሓዘን ዕለት ምዃና ንምግላጽ ኣብ ዝኾነ ህሞት ስጋብ ኢሰያስን ስርዓቱን ዝእለዩ ባንዴራ ኤርትራ ኣትሒቱ ክሰቅል አውን ንላቦ። ህዝቢ ኤርትራ ከይደቀሰን ፍትሒ ከይረኸበን ምስ ዓማጺ ወጊኖም ዘዳኽሩን ዘጣቑን ንዘለው ደቂ ሃገር ሕልንኦም ንኽምርምሩ ናብ ልቦም ክምለሱን ዝጠልብ ተሪር ጻዊዕትና ኣሕሊፍና። እቲ አዝዩ ዘገርም አብቲ ዕለት እቲ ካድራትን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ለይታዊ ትልሂትን ጓይላን ንክገብሩ አብ ውሽጢ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ዝርከብ አዳራሽ ይተኣኻኸቡ ምንባሮም፡ ማዕረ ክንደይ ካብ ሰብኣውነት ሪሖቖም ሕልንኦም ሸይጦም ምህላዎም ዝተዓዘብናሉን ዝተገረምናሉን ኩነታት ተዓዚብና ድማ ነናብ ዝተበገስናሉ ተፋኒና።


ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላም ኣየር ከየስተንፈሰ ሕልናና ፈጺሙ ኣይድቅስን።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ!!!

 

 

ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን                 

ዕድመ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ሰላምን ፍቅርን

ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 3, 2017 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም።  ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12  ፋዱስ ኢዩ።

ብደሓን ምጹ!

ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!

ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE.  THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.

WELCOME!

DATE JUNE 03, 2017

LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)

                         1600 SENTER ROAD

                         SAN JOSE, CA 95112

PRAYER TIME: 12:00  P.M.

PROGRAMS INCLUDE CHILDREN  AND ADULT ACTIVITIES.

PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.

THE BAY AREA CATHOLIC  COMMITTEE

 

SAN JOSE, SAN FRANCISCO, OAKLAND, BERKELY, & SANTA ROSA