EPDP News

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ለካቲት 2025 ፍሉይ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብምዝታይ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ  ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ብደረጃ ሃገርናን ከባብናን  ዝረኣዩ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ቅልጡፋት ምዕባለታት፡ ፖለቲካዊ ተርእዮታትን ዝገሃዱ ዘለዉ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታትን ዝምልከት ዳህሳስ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘካየዶ ዳህሳስ እቲ ምዕባለታት እንታይ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ ብምግምጋም መዋጸኦ ዝበሎም መፍትሒ ሓሳባት እውን ኣለልዩ። ብፍላይ ከኣ ህግደፍ  በብኩርናዑ የጋጥሞ ካብ ዘሎ ተጽዕኖታትን ሓዲርዎ ዘሎ ስግኣታትን ንምውጻእ ዝተፈላለዩ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእተዉ ዝምድናታትን ምዕልባጣትን የርኢ ከም ዘሎ ኣኼባ ተረዲኡ። 

ካብዚ ሚዛኑ ብምንቃል ድማ ህግደፍ ዝወስዶም መመሳመሲ ወስታታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ክሳብ ዘየረጋገጹን መሰረታዊ ሕቶኡ ዘይመለሱን ተቐባልነት ከምዘይህልዎም  ብምርዳእ ህዝብን ሓይልታት ለውጥን ኤርትራ  ቃልሶም ኣንጻርቲ ጉጅለ ብኣድማዒ መልክዕ ንክቕጽሉ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ወትሩ ጸዊዑ። 

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ኤርትራ ብተደጋጋሚ የልዕሎ ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ኣብቲ ሚዛኑ ናይ ወደብ ኣጠቓቕማ፡ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይግህስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፈቕዶን ንክልቲኦም ወገናት ብዘርብሕን ጥራይ ክኸውን፡ ካብኡ ወጻኢ ዝኽየድ ግና ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዘይከውን ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብርጌድ ንሓመዱ ብ27 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘካየዶ ኣኼባ  ፈጻሚ ሽማግለ ተመያይጡ። ኣብ ምይይጡ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተራእዩ ሕጽረታት ኣብ መጻኢ ከይድገሙ ብምዝኽኻር፡ እቲ ተበግሶ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ህዝባዊ ማዕበል ከካይዶ ናይ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ገይሩ ከም ዝወስዶ ርእዩ። ብመሰረት እቲ ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ሰልፋዊ  ጉባአኡ  ንህዝባዊ ማዕበል ብሪጌድ ንሓመዱ ብዝምልከት፡ “ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ንለውጢ፡ ንልዕልና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ኣብ ዲያስፖራ ጥራይ ከይተደረተ፡ ንክሰፍሕን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንክኣቱን ኩሎም  ዝምልከቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ግደኦም ክጻወቱ ይግበኦም” ዝበሎ፡ ነቲ መቃለሲ ቦታ ናይ ምስፋሕ ተበግሶኡ ኣተባቢዕዎ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብሪጌድ ንሓመዱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ኣካል ዝገብሮ ዝምድና፡ “ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ዘትከለ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ዘየፍቅድ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ምትሕብባርን” ዝምስረት ንክኸውን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ ኣብ መወድእታ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝረአዩ ዘለዉ ምትፍናናትን ናብ ውግእ ከይምዕብሉ ዘስግኡ ተርእዮታትን ተወጊዶም፡ ናብ ሰላም፡ ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝወስድ መንገዲ ንክሕዙ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰዲህኤ ግደኡ ክጻወት ድልዊ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ ምባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2 ለካትቲ 2025

 ኤርትራ: “ተቐባልነት ዘይረኸቡ” ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን  ስደተኛታት  ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት፡ መንግስት ስዊዘርላንድ፡ ክህባ ዝጸንሐ ሓገዝ ከም ዝቋርጾ ቢቢሲ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ብምጥቃ  ሓቢራ። እቲ ንኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዝ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታታ ንክትቅበል ንምትብበዓ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብዚ መዳይ ቅርብቲ ንክትከውን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ንክውሰድ ከም ዘገደደ እቲ ዜና ኣፍሊጡ ።

ቢቢሲ ሬድዮ ስዊዘርላንድ ብምጥቃ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣስታት ሸውዓተ ሺሕ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ክልተ ሚእቲ ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተወሰኖም እዮም። ምስዚ ብምትሕሓዝ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ነዚ ናይ ልምዓት ሓገዝ ምሃብ ዝጀመረ ካብ 2017 ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጉንበት ድማ ክቋረጽ እዩ።

ናይቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ደገፍ ቀንዲ ዕላማ፡ መንእሰያት ተክኒካዊ ብቕዓት ከም ዝህልዎም ብምኽኣል   ቁጠባዊ ዓቕሞም ከም ዝዓቢ ንምሕጋዝ ምንባሩ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ማይክል ስታይነር  ንመደባት ሬድዮን ተለቪዥንን ስዊዘርለንድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ህላወ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣዝዩ ዝተደረተ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መደብ  ክዕወት ኣይከኣለን።

እቲ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማይክል ስታነር፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ስለ ዘየለ ድሕሪ ሕጂ ምስ  ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊስካ እግሪ ምትካል ዝተሓሓዝ ሓገዝ ከምዘይውሃባ ኣፍሊጡ። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ እውን ኣብ ፖለቲካ ስዊዘርላንድ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይታ ሃገር ፓርላማ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምትሕልላፍ መደብ ዝነበሮ ኮይኑ ተቐባሊት ሃገር ብዘይምርካብ ከም ዘይተዓወተ እውን እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ሓቢሩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ለበዋ ናብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናብ ምሁራት ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ብ3 ለካቲት 2025 ብቋንቋ ትግርኛ ወግዓዊ መልእኽቲ፡ ኣመሓላሊፉ። ኣብ መልእኽቱ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ውግእን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከምዘየለ ጢቒሱ።

ኣብ መጸዋዕታኡ፡ "እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ናይ ትማሊ ቁስሉ ከይሓወየ ገና ሕጂ’ውን ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ሰሪሑ ከይኣቱን ከየልምዕን ኣብ ፍርሒ፡ ራዕድን ወረ ውግእን ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ እዩ" ክብል ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብቲ ክልልን ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።  ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ምስቲ ብዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ብምውጋኖም ሕድሕድ ውግእ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ኣንጸባሪቑ።  

ንወገን ጌታቸው ረዳ ከም ዝድግፍ ዝግመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሰላም  ከም ዝፍታሕ ንዝኾነ ዝስወሮ ኣይኮነን’ውን ኢሉ። ኣብ መዳያት ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን መዲያን ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋሩ፡ ቅድም ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ፍልልይ ብኢህን-ሚህን ክፈትሑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ፌደራልን ካለኦት ወገናትን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ንክፍታሕ ጽልዋኦም ከሕይሉ ተላብዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣብቲ መጸዋዕታኡ፡ "ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዝፍጠር  ፍልልይ  ከም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምውሳድ፡ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ካብ ስግኣት፡ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፡ መንእሰያት ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ንክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያኳ ጠጠው እንተበለ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝፍጠር ብዘሎ ፍልልያት ኣስጋእነቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ናይቲ ደብዳብ ግዳያት

ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልል  ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብ30 ጥሪ 2025 ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፈጸመት፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሲያሩ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብለይቲ ብተደጋጋሚ  ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ልዕሊ 8 ሰባት ሞይቶም፡ 4 ድማ ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ነፍሰ-ጾራትን ክልተ ኣሕዋትን ከም ዝርከብዎም  እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብቶም በቲ ደብዳብ ድሮን ዝሞቱ፡ መሓመድ ኣይዳህሲ፡ ዓሊ ኦርቢስ፡ ካኮ ኦርቢስ ዓሊ፡ ዓሊ መሓመድ ካኮን ዓይሻ ባዱል መሓመድን ዝበሃሉ ግዳያት ከም ዝርከብዎም ኣዲስ ስታንዳርድ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢላ ኣስፊራ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም ኣብ 2ተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ “ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራሲን ጅቡቲ” ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝዋጋእ ዕጡቕ ኣካል ከም ዝተወስደ ጌርካ ይግለጽ  ከም ዘሎኣመልኪቶም።

ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ካለኦት ወገናት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስዶ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቶም ኣብ ዶብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝሰፈሩ ዕጡቓት ተቓወምቱ ንምጥቃዕን ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ወሲኽካ ንምዝንባል እዩ ዝብል ግምቶም ኣስፊሮም።

በቲ ካልእ ወገን  ኣብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ሰብኣዊ ማሕበር፡ እቶም ዝሞቱ 14 ከም ዝበጽሑን ካብኣቶም 4 ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዘይተጠቕሰ ህጽናትን ምዃኖም ብምቅላዕ፡ እቲ ለይታዊ ናይ ድሮን ደብዳብ ሰበኽሳግም ኣብ ዝርከብዎ ከባቢ ከም ዝቐጸለ ሓቢራ። እታ ሰብኣዊ ማሕበር ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ “ናይ ውግእ ገበን” ብዝብል ኮኒናቶ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል ብምድጋፍ ተኸሲሱስ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ነይሩ።  ብዛዕባዚ ዳርሕረዋይ ናይ ድሮን ደብዳብ ግና ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እዚ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምትእምማን ከየጋድዶ እሞ ካልእ ዞባዊ ቅልውላው ከይፈጥር  ዘስግእ እዩ።

ናይቲ ጉባአ ተሳተፍቲ ብኸፊል

ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 31 ጥሪ 2025 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝተሃንጸ ኣድራሻ ሚዝየም ዓድዋ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ወከልቲ መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ እውን  ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ዝተመርጹን ኣስታት 50 ናይ ዝኾና ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተዓደሙ ኣብቲ መኽፈቲ  ተሳቲፎም። ኣብዚ ጉባአ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ እቶም 1700 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዝቐረብሉ መኽፈቲ፡  ፕረሲደንት ብልጽግና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰልፍታት ጉባአ ታሪኽ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ተወከልቲ ብ ዝሳተፍሉ ዝካየድ ናይ ብልጽግና ጥራይ እዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ጉባአ ብልጽግና ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ዘኽእል መስርሑን ውጽኢቱን ዲሞክራስያውን  ኣሳታፍን ክኸውን እዩ ክብል ከም ዝገለጾ ብመግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ዝተዘርግሐን ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈን ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ዜና ኣተሓሒዙ እዚ ጉባአ ዝሓለፈ ኣተገባብራ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ዝግምገመሉን መጻኢ መደባት ዝትለመሉን ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብመንጽርቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ኣገደስትን ወሰንትን ውሳነታት ከም ዝውሰንሉ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል ጭረሖ እናተመርሐ ክሳብ 2 ለካቲት 2025 ዝጸንሕ 2ይ ጉባአ ብልጽግና፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እቲ ሰልፊ ዝምረሓሉ ሕግታትን ምጽዳቑ፡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኣባላት ኢንስፐክሽንን ቁጽጽርን ከም ዝመርጽ እውን ኣብቲ  ናይቲ ጉባአ ኣጀንዳ ተመልኪቱ

ዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ

.ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ፖለቲካዊ ዘተ ዘካየዱ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን ብዘይውጽኢት ከም ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ዘተ ዕላማ ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ከም ዝነበረ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። ካብተን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ኣካላት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን ከም ዝርከበአን ተፈሊጡ።

ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ጉጅለታት ኣብ ግደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ዝምድና መንግስትን ሃይማኖትን ዝምልከት ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎም ጠቒሱ።  ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣኼባ ዝዓደመ ኣካል፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ጉጅለ ክኢላታትን ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነጻ ንክኾኑ ከም ዝጸዓረ ሓቢሮም። ካለኦት ወገናት ከኣ ገለ ማሕበራት ሱዳን ብኢድ ኣዙር መሳርሒ ፖለቲካ ምዃኖም ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።

ካብቶም ካብ ምውጋድ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሺር 2019 ጀሚሮም ኣብ ሱዳን ዘየሰማምዑ ዘለዉ ጉዳያት፡ ውክልናን ምምቕራሕን ስልጣን ከም ዝርከብዎም ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ኣብ ሱዳን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ ተጠቒሱ። መራሒ ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ፡ ብወገኑ ኣብ ሱዳን ሰኩላራዊ ስርዓት ክምስረትን ከም ጎበታት ኑባ ንዝኣመሰሉ ውሁዳን ከባብታት ከኣ መሰል ርእሰ ውሳነ ክፍቀደሎም ከም ዝደሊ ሓቢሩ። ተቐዱም ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ብወገኑ፡ ሰልፍታት ኡማን ባዕስን ኣብቲ ሰኩላራዊ ስርዓት ዝበሃል ዕቃበታት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ሺሃብ ኢብራሂም ዝተባህለ፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቐዱም ብወገኑ፡ ኣኼባ ናይሮቢ ከምቲ ዝድለኳ እንተዘይተዓወተ ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ነጥብታት ምዝታዩ  ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ፍልልያት ክፍጠር ንቡር ስለ ዝኾነ፡ እቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ እቶም ኣካላት ናይ ሓባር ቻርተር ክነድፉ’ኳ እንተዘይከኣሉ ብዛዕባ ብዙሓት ጠቐምቲ ነጥብታት ግና ተመያይጦም እዮም።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል፡ ምትዕርራይ ክግበረሉ፡ "ዝደኸሙ መራሕቶም" ድማ ክትክኡ፡  ብ23 ጥሪ 2025 ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ፡ ነቲ መግለጺ፡ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታው ድሕሪ ምባሉ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ኣካይዶም ዝርዝር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 22 ጥሪ 2025 ኣኼባ ኣካይድና ዝበሉ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ትግራይ ዘውጽእዎ 13 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሰረዞ ኣካል ህወሓት ከም ዝድግፍዎን ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ዘለዎ ልዕሊ 50%  ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳት ትግራይን ላዕለዎት ኣዘዝቶም ናይ ምግዳብ መንፈስ ዘለዎ ምዃኑ የመልክት። ነቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ እሞ ዘካየዶ መበል 14 ጉባአኡ ብብሄራዊ ቦርዲ ምርጫ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ዝተሰረዞ ክፋል ህወሓት ከም ዝድግፉ በቲ መግለጽኡ ኣፍሊጡ ።

ብምቕጻል ድማ ብደረጃ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውሰድ ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ምትዕርራያት ንድሕሪት ንክምለስ ኣብቲ መግለጺ ካብ ዝሰፈሩ ነጥብታት ሓደ እዩ። ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ  ብህወሕ ዝተገልጸ ብምድጋም “ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይ” ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ ከእትው ኣይንፈቅድን ኢሉ። ብዘይካዚ ከምቲ መግለጺ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝበሎ፡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዘለዉ ሓለፍቲ ብኽሕደት ከሲሰሞም። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝበልዎ ዘየነጸርዎኳ እንተኾነ ብናይ ብዙሓት ተረድኦ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም 13 ጀነራላት፡ እቲ  መግለጺ ካብ ዘጽደቐሉ ኣኼባ ረጊጾም ወጺኦም።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ መግለጺ ሕጋውን ፖለቲካውን ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ምክያድ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓያሎ መዲያታትን ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይን ነቲ ብስም ኣዘዝቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ውሑዳት ኣብ ዘይምልከቶም ዝኣተዉ ስጉምቲ እዩ ብዝብል ተሪር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኦም። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነቲ ስጉምቲ “ልስሉስ ዕልዋ” ክብሉ ይገልጽዎ’ለዉ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ትካል ንህጹጽ ድሕነት ህጻናት (UNICEF) ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ፡ ካብ ዝመረጾም ሓደ ዳይረተርን 4ተ ምክትላን፡ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተባህለት ወኪል ህግደፍ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ምክትላት ሓንቲ ኮይና ምምዛዛ ብዙሓት ኤርትራውያን ቁተዐኦም ይገልጹ’ለዉ።

ምምሕዳር ህግደፍ፡ ንህጽናት ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ብግብረሰናይ ትካላት ከይልገስ ዕንፋት ብምፍጣር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣገዲዱ ናብ ግዱድ ውትህድርና ብምስላፍ፡ ወለዶም ኣሲሩ ህጽናታት ናባይ ስኢኖም ከም ዝኽትሙ ብምግባርን ትሒት 5ተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናት ካብ ኤርትራ ከይወጹ ብምኽልካልን ዝግለጽ ጨካን እዩ።  እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ከም ዘቖትዕ ዝተፈላለያ መዲያታት ኤርትራ ይገልጻ ኣለዋ። እቶም ዝተቖጥዑ ካብ ዝጠቕስዎም ጭካን፡ ማእሰርቲ ህጻን ሂሳም ጓል ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዶን፡ ህጽናት ደቂ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብሰንኪ ማእሰርቲ ክልቲኦም ወለዶም ምዝኽታሞምን ይጠቕሱ።

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ እውን ኮንደኾን ለውጢ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ይኸውን ብዝብል፡ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኮይኑ’ኳ ኮይኑ እንተነበረ፡ ከጋድድ እምበር ከመሓይሽ ኣይተራእየን። ትካል ተሓላቒ መሰል ህጽናት ከኣ ኣብ ክንዲ ካብዚ ተመኩሮ ዝመሃር፡ ብግህሰት መሰል ህጽናት ክኽሰስ ናይ ዝግበኦ ጉጅለ ተወካሊት ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከምዝኮነ ብምጥቃስ እቶም ኤርትራውያን  መረርኦም ገልጾም።

ሶፊያ ተስፋማርያም መድረኽ ኣብ ዝረኸበትሉ፡ መሰል ኤርትራውያን ብምግሃስን ኤርትራውያን ኣብ ስደት ካብ ድሌቶም ወጻኢ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ምግዳድን ርኡይ ኣሉታዊ ግደ ካብ ዘለዎም ሓንቲ  ክንሳ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስብኣዊ ቦታ ምምዛዛ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ዘይርዳእ ምዃኑ ከም ዘመልክት  ኤርትራውያን ብቑጠዐ ገሊጾም።

እቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል  ሕቡራት ሃገራት፡ ብ11 ታሕሳስ 1946 ተመስሪቱ ኣብ ነውዮርክ ዝመደበሩ፡ ኣብ 190 ሃገራት ዓለም ዝንቀሳቐስ ዘሎ ምዃኑ ድሕረ ባይታኡ የመልክት።

 

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ19 ጥሪ 2025 ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣገደስቲ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ዘንጸባርቕት  ሓጺር መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።

ብምቕጻል ኣኼባ  ኣብቲ ኣገዳሲ ኣጀንዳ “ምምይያጥ ኣብ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ” ኣትዩ፡  በብታራ  ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ሚዛን ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእዩ ሓያላትን ድኹማትን ነጥብታት ዳህሲሱ ኣለልዩ። ኣብቲ ሚዛኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜና ተፈጢሩ ዝጸንሐ ብኩራት ቋንቋ ዓረብ ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ መዚኑ፡ ኣብቲ ዝድለ ውጽኢት ንክበጽሕ ዝያዳ ንክስረሓሉ ተረዳዲኡ። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ንዘርእይዎ ዘለዉ ትግሃት ንኢዱ፡ ኣብዚ መዳይ ዝረኣዩ ሓደሓደ ሕጽረታት ተኣሪሞም ናብቲ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምለስሉ ኣንፈት ከኣ ኣነጺሩ።

ብሓፈሻ ነቲ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ፡ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ እቶም ሓያላት ጐድንታት ዝያዳ ንክሕይሉ እቶም ድኽመታት ከኣ ንክመዓራረዩ ዝሕግዙ ውሳነታት ኣሕሊፉ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰልፊ ወጊኑ።

ካብዚ ሓሊፉ ፈጻሚ ሽማግለ ብፍሉይ ንክርእዮም ኣብ ዝቐረብሉ ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ ውሳነታት ወሲኑ፡ ንክትግበር ከኣ ነናብ ዘዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ክምራሕ ተረዳዲኡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ዝምስረት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪቲ ዘካየዶ ቀዳማይ ኮንፈረንስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ስርርዓት ኣካይዱ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ተዋፊሩ ከም ዘሎ መዚኑ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ እቲ ዝተተለመ ዘሎ መደባት ዝትግበረሉን እቲ ጽላል ንክሰፍሕ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ኣብ ምትግባር ሰዲህኤ ኩሉ ዘድሊ ኣበርክቶ ክገበር ቅሩብ ምዃኑ ተረዳዲኡ።

ብዛዕባ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብዚ ዞባና ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ብደሆታትን  ድህሳስን መጽናዕትን ዝግበረሉ መደብ ሰሪዑ ምዕሩይ ሚዛንምሓዝ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል  መደብ ሰሪዑ።

ኣብ መወዳእታ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይድዎ ንዘለዉ  ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ  መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ18 ጥሪ 2025፡ ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምስ መሰረታት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሓላፊ ቤት ጽሕፈ ብጻይ ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ፡ “ግደ ዲፕሎማሲ ኣብ እዋን ተቓውሞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ዶ/ር ኣክሊሉ ኣብ መግለጺኡ ዲፕሎማሲያዊ ስረሓት ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምጥቓሱ፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መድያታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጸሓሉ መድረኽ፡ ከመይ ከም ዘሎ እውን ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዝያዳ ንዋታውን ሰብኣዊ ዓቕሚ ስለ ዝሓትት ኣብ ግዜ ተቓውሞ በዳሂ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣተሓሒዙ ድማ ብደረጃ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ መዳይ ዝተዓሙ ስረሓትን ኣብ መጻኢ ከም መደብ ተታሒዞም ዘለዉ ናይ ስራሕ ዕማምት እውን ኣብሪሁ። ኣብ መብርሂኡ፡ ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል ከምቲ ዝድለ’ኳ  እንተዘየበራበሮ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህግደፍ ንምምካት ዘርኣዮ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ ጠቒሱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ከምዚ ናይ ተቓውሞና ኣብ ዲፕሎማሲ ናይ ዝተዓወታ ኣብነታት ብምጥቃስ ዲፕሎማሲ ናይ ውሱናት ዘይኮነ ናይ ኩሉ ተቓላሳይ ዕማም ምዃኑ ብምሕባር ንተሳትፎ ጸዊዑ።

ደንበ ተቓውሞ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ብምዃኑ ዲፕሎማስያዊ ሓያልነቱን ተሰማዕነቱን ስለ ዘዳኽም ብሓባር ዝውፈረሉ ኩነታት ምፍጣር ንዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ድሕሪ መግለጺ ዝተኻየደ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጢ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብሓፈሻ ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝረአ ዘሎ ናብ ምቅላዕ ህግደፍ ዘቕነዐ ምልዕዓላት፡ ብኸመይ ናብ ረብሓ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምውዓል ከም ዝከኣል ዝምልከት ብሰፊሕ ተዘሪብሉ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተሳላሰለ ንጥፈታትን ዝተጠርየ ዝምድናታትን ኣቒብካ ንመጻኢ ኣገደስቲ ለበዋታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

እዚ ንኣባላት ሰዲህኤ ዝወሃብ ኣስተምህሮን ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣሰራርሓ ጸብጻባትን ዝምልከት፡ ኣብ መጻኢ እውን ብስሩዕ መደብ  ዝቕጽል ምዃኑ ከኣ ብኣዳላውቲ ናይቲ መድረኽ ተሓቢሩ።