EPDP News

ህግደፍ ካብ ዝምዘነሎም መሰረታዊ ባህርያቱ ሓደ፡ ዝወስዶም ስጉምትታት፡ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኢደ-ወነናዊ ምዃኖም እዩ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ልጓም ዘየብሉ ስዲ ኣካይዳ ምቕጻል ንክጥዕሞ እዩ ከኣ፡ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚሩ ናይ ህዝቢ ኣፍልጦን ምርጫን ካብ ዘለዎም ትካላትን ዝምርሕሉ ሕግታትን ዝሃድም። ኣብ ክንድኡ ንመሸፈኒ ብዝኾንዎ ናይ ውልቀ ወይ ናይ’ቲ ጉጅለ ስምዒታት፡ ድሌትን ትጽቢትን ጥራይ ብዘረጋግጽ ቁርጽራጽ ኣዋጃት ዝመርሕ።

ህግደፍ ዝውጥኖም ትልምታት፡ ኣይኮነንዶ በቲ ዋና ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ፡ ብመብዛሕቶም ካብቶም መሳርሒ ንክኾንዎ  ስልጣን ዝምጥዎም ኣካላት እውን ዘይፍለጡ እዮም። ኣርሓ ህግደፍ ቃሕ ክብሎ እንከሎ ከም ድላዩ ንህዝቢ መብጸዓታት ይኣቱ። ክሳብ “ብኣዋርሕ ለውጢ ከምጽእ እየ” ኢሉ ቆጸራ ዝሕዘሉ ኩነት ኣሎ። እቲ ብግብሪ ዘርእዮ ግና ሓታታይ ከም ዘየብሉ ፈሊጡ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ፡ በብግዜኡ ነቲ ህዝቢ  ዝነብሮ ዘሎ ጸገማት ተመሊሱ ይዝርዝረሉ። ተኸታቲሉ “እቲ ቅድም ዝበልካና ደኣ ኣበይ በጺሑ?”  ኢሉ ዝሓቶ ስለ ዘየብሉ ከኣ፡ ኣይስከፍን።

ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዘውጸኦ ኣዋጃት ይኹን ሕግታት እውን እሙን ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት ብዙሓ ኣብነታት ምቕራብ ዝከኣል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ስልጠናን ኣገልግሎትን ዕድመኡ 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ዝኣወጆ መደብ ግዱድ ወትህድርና ሳዋ፡ ክሳብ ክንደይ ምኽንያታት ፈጢሩ እንዳናወሐ ኣበይ ከም ዘብጸሖ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዕቃበ እናሃለዎ፡ ብህዝባዊ ተሳትፎ ብመንገዲ ረፈረንዱም ጸዲቑ ዝተባህለ፡ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ጽልእን ንዕቀትን “ከይተወለደ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ብዝብል ሕጫጨ ከም ዝጐሓፎ ካልእ መርኣያ ናይ ዘይተኣማንነቱ እዩ። ነቲ “ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ቀረባ ግዜ እትርእይዎ ክኸውን እዩ” ዝበሎ ከመይ ገይሩ ደሃዩ ከም ዘጥፈኦ’ውን ተወሳኺ መርኣያ ሃላልነቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣውዒልካ ዘሕድር ዝርዝር ጥልመታቱ ምቕራብ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ዝፈልጦን ዝተዋሰኣሉን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምትግባር ክሳብ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ምድህላል ከኣ ተጠቃሲ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ብዕጥይጥይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓቢኡ፡ ደጋፊ ትግባረ ናይቲ ብይን ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሃንጠየ ይዝከር። ናቱ ሓቢኡ ኣንጻር “ዓንቀፍትን ዘራያትን” ዝበሎም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብዙሕ ክስታትን ጸለመን ኣቕሪቡ። ድሕሪ 2018 እቲ ምኽንያታት ተቐንጢጡ ናይ ምትግባር ዕድል ኣብ ኢዱ ምስ ወደቐ፥ ኣይኮነንዶ ክትግብር ከም ኣጀንዳ ከልዕሎ’ውን ኣይደለዮን ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ብዝብል ጠንጢንዎ።  በቲ ዘርኣዮ ዘይምግዳስ ከኣ፡ “እንታይ ብዘይምጥራር ዶብ ኣቢሉ ከብጽሖ ዝደለየ ስለ ዘለዎ’ዩ ዝጓስዮ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት ነይሩን ኣሎን። ኩሉዚ ተደሚሩ ህግደፍ ብጉጅላዊ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን’ምበር ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምግዳስ ዘይንታዩ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ዘይግልጹነቱ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝምድናኡ ምስ ጐረባቲ እውን፡ “እንታይ ረብሓ ህዝቢ ከረጋግጸለይ ይኽእል?” ብዝብል ዝተቓነየ ከምዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ክሳብ ሎሚ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኡ ኣብነት እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ኣብ 2018 ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብ ዘይተጸበይዎ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኢሉ ምስ ኣውደኽደኸ፡ እዚ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍትሕ፡ ገለ ወገናት ከም ዝመጽእ ክግምቱ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ “ደጊም ንድሕሪት ዘይምለስ ፍቕሪ እዩ” ስለ ዝበልዎ፡ ኣካታዒ ተረኽቦ ኮይኑ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ዝተጀመረ ጉርብትና ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ምስ ተዓዘበ፡ ብዝሓደሮ ቅንእን ስግኣትን፡ ህርፋኑ ጥራይ ዘርውየሉ ገይሩ ከመሓድሮ ግዜ ኣይወሰደሉን። ድሕሪ 4ተ ዓመታት በቲ ዘይተጸንዐ ዝምድና ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝሓሰቦ ምስተኾለፈን በቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ዓይኑ ደም ስለ ዝነጠቦን  በብቑሩብ ክቑርምሞ ጀሚሩ።

ከምቲ ውግእ 1998-2000 ክጅመር እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤርትራውን ንብረቱን ዘይተገደሰ እሞ ደሓር ብዙሕ ምንግልታዕን ዛሕዛሕን ዘኸተለ፡ ሎሚ’ውን ቅድም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሰኣኖ ሕክምና፡ መርዓን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለስ ኤርትራዊ ከይተገደሰ፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን  ንክቋረጽ ወሲኑ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝለመዶ ናይቲ መንገዲ ኣየር ገንዘብ ካብ ባንክ ብምርሳይ ከኣ ተኸሲሱ። ቀጺሉ  ኣብ ኤርትራ  መተካእታ ዝኸውን ናይ ዋይፋይ መስመር’ኳ ኣብ ዘየብሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ መስመር ተለፎን ኣቋሪጹ። ብሰንክዚ ሃንደበታዊ ምቑራጽ ርክብ፡ እቲ  ዝጸንሐ ስኽፍታ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት ቀሊል ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብቲ ናይ 2018 ብዘይፍለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ፡ ከምቲ ናይ ጎንደር ስምምዕ ሰለስተ ኣካላት፡ ሎሚ ድማ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ስሉሳዊ ስምምዕ  ጸጥታ ከም ዝተኸተመ ይስማዕ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር መራሒ ግብጺ ንመጀመርያ ግዜኡ፡ መራሒ ሶማሊያ ከኣ ን7ይ ግዜኡ ናብ ኣስመራ መጺኦም። እቲ ስምምዕ “ንጥቡቕ ጉርብትናን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋጽ” ዝብል ስያመ’ኳ እንተተዋህቦ፡ ሓቢርካ ንኢትዮጵያ ንምኽባብ ምዃኑ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ግብጽን ሶማሊያን ንኢትዮጵያ ክኸባ እንከለዋ ነናተን እዉጅ ምኽንያት ኣለወን። ግብጺ ንህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጠጠው ከተብሎ ካብዘይከኣለት፡ ኣካል’ቲ ምምሕዳሩ ኮይና ዓቐን ዝዕቆርን ናብኣ ዝፍኖን ማይ ናይ ምክትታል ድሌት ዘይተዓጽወ ፋይል ኣለዋ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ምስ ኣካለይ ዝኾነት ሶማሊላንድ ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህብን  ሃቂና ዝብል ክሲ ኣለዋ።

ናይ ክልቲኦም ክሲ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምትእስሳር ኣለዎ። ናይ ህግደፍ ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ግና፡ ነቲ ባዕሉ “ወደባት ርኸቡ ኣይትስኣኑ” ዝብሎም ዝነበረ ዘንጊዑ’ኳ፡ መልክዕ “ልኡላውነት” ከትሕዞ እንተፈተነ፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተኾልፎ ንምፍዳይ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንዓኡ ዝምልከት ጉጅላዊ ዕንደራ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራሲ ከምቲ ዝቐደመ ህይወት ደቁ ካብ ምጥፋእን ንብረቱን ካብ ምብራስን ሓሊፉ፡ ዘይንታዩ ምዃኑ ርኡይ እዩ።

ኤርትራዊ ተወዳዳሪ  ብሽግለታ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ኣብ ናይ 2024 ውድድር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያ ኢልዶረት ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፍሉይ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝመዝገበ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ጠቒሶም።  ሄኖክ ኣቐዲሙ እውን ኣብ 2023 ኣብ ጋና ኣክራን፡ ብ2022 ድማ ኣብ ሻርም ኢል ሸይክን ግብጺ ተኸታታሊ ዓወታት ዘመዝገበ እዩ።

ስፖርታዊ ሄኖክ ኣብዚ ናይ 2024 ውድድር፡ ካለኣይን ሳልሳይን ንዝወጹ ደቡብ ኣፍሪቃውን ኡጋንዳውን ኣኸቲሉ እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ወርቂ መዳልያ ተቐቢሉ። ነቲ ርሕቀት ንምዝዛም ዝወሰደሉ ግዜ 3 ሰዓታት፡ 46 ደቓይቕን 21 ሰከንድን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

.ሄኖክ ምስ ጋዜጠኛታት ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መተይቕ፡ ነቶም ሓቢረምዎ ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ክብሪ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዓወት ንከመዝግብ ናታቶም ግደ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ዓወት ናይ ሓባሮም ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ። ናይ ሄኖክ ምሉብርሃን ዓወት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተወዳደርቲ ብሽግለታ፡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ዓቕሚ ዓብይ ብጽሒት ከም ዘለዎም ዘመልክት ምዃኑ ድማ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር፡ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩርን 4 ነሃስን ብድምሩ 16 መዳልያታት ረኺባ እያ ቀዳመይቲ ኮይና።

ኤርትራ ኣብ ብሽግለታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እውን ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝፍለጡ ብቑዓት ከም ዝነበርዋ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝኽተሎ ንስፖርት ዘይምችእ ኣገባብ ካብ ብሽግለታ ወጻኢ ኣብቲ ካልእ ስፖርታዊ ውድድራት ድሕሪት ከም ዝተረፈት ዝፍለጥ እዩ።

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ 12 ጥቅምቲ 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ከም ዘካየደ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓኢሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ንተሳተፍቲ ”እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ናይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ተሳተፍቲ ድማ ኣብቲ ዝቐረበ ዝርዝር መብርሂ ሃናጺ ሓስባት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ብማሐበራዊ መራኸኢ ዙም ዝተኻየደ ናይ 12 ጥቅምቲ 2024 ኣኼባ፡ ናይቲ ምምሕዳር ኣባላት ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ሃገራት እስካንድንቪያን ተሳቲፎም። ኣኼባ ምስቲ ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መሪር ኩነታት፡  ስሩዕ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ብቐጻሊ ንክካየድ ጸዊዑ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ኣብ ዞባና ዝካየድ ዘሎ፡ ኣሰካፊ ምዕባለታት ዝያዳ መግለጽን መብርህን ሰለ ዘድልዮ መሪሕነት ሰልፊ ቆላሕታ ሂቡ ንክሰርሓሉ ተላብዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብመንጽር’ዚ ንጥፈታቱ ከቀላጥፍን ከሕይልን ጸዊዑ።

ኣብ መንበሪ ገዛ ኣኼባ ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣመንቲ መሰኻኽር ጀሆቫ፡ ብ27 መስከረም 2024 ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተገፊፎም ከም ዝተኣስሩ ጀይ ዳብሊው ኦርግ (JW.ORG)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እቶም ብፖሊሲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ግዳያት 16 ደቂ ኣንስትዮን 2 ህጽናትን ዝርከብዎም 24 ምዃኖም እውን ተፈሊጡ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ሳልስቲ ናብቲ ኣቐዲሞም ዝኣሰርሉ ገዛ ተመሊሶም ጓል 85 ኣደ ከም ዝኣሰሩ ከኣ ካብቲ መርበብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ መስርሕ እቶም ህጻናት ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ማይ ስርዋ ናብ ዝተባህለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም።

ነዚ ብዝምልከት ናይቲ ማሕበር ወሃቢ ቃል ካብ ዓባይ ብሪታንያ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ 10 ልዕሊ 70 ዓመት ዝርከብዎም ሽማግለታት 63 ናይቲ እምነት ኣባላት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዘለዉን ኩሎም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክሲ ከም ዘይተመስረቶምን ኣፍሊጦም።

እዚ ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣመንቲ መሰኻኽር ጀሆቫ፡ ዝፍጸም በደል ናይ ቀረባ ፍጻመ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 25 ጥቅምቲ 1994 ጀሚሩ ብቐጻሊ ክካየድ ዝጸንሐ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ዲክተቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 1994 ናይቶም ኣመንቲ ኤርትራዊ ዜግነት ከም ዝሰረዘ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽዑቕ ግህሰታትን ዘይፍትሓዊ ማእሰርትን ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣቃሊዑ።

ሃገር ብዘይ ህዝባ ሃገር ኣይትኸውንን’ያ፡ ህዝቢ እውን ብዘይሃገሩ ክብርን መንነትን ኣይህልዎን። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ምእንቲ ሃገርን ምእንቲ ህዝብን ዝግበር ቃልሲ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እምበር ፈላሊኻ ዘይርአ ዝኸውን። ህዝቢ ንሃገሩ ዝኸፍለላ ግቡኣት  ኣለዎ። ብማዕሪኡ ከኣ ካብ ሃገሩ ክረኽቦ ዝግበኦ ዜግነታዊ መሰላት ኣለዎ። ሃገርን ህዝብን ነጻጺልካ ምርኣይ ከምዘይከኣልን  ዝምድና ግቡእን መሰልን እውን ከምኡ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይነጻጸል እዩ።

ሃገርን ዜጋን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ፡ ኣብ ውደባ እውን ኣባልን ዝተሰለፈሉ ትካልን ተመሳሳሊ ዝምድና ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣባላት ተምሳል ውዳበኦም እዮም፡ ውዳበታት እውን መርኣያ ኣባላቶም እዮም ክኾኑ ዝግብኦም። ግቡእን መሰልን ከም ድላይካ ተብዘሖን ወይ ተውሕዶን ዘይኮነ፡ ተመጣጢኑ ንክቕጽል ዘኽእል ዝተስነደ ቀጥዒ ኣለዎ። ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ካብዚ ነጺልካ ዘይረአ ናይ ዜጋታት ግቡእን መሰልን ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ዘነጽር ሕገመንግስቲ ከይተረፈ፡ ብዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሰነዳት ዝንጸር እዩ። ብዛዕባ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፍን ኣባላቱን ክለዓል እንከሎ  ድማ፡ ኣብቲ ክመሓደርሉ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዘጽድቕዎ መመሓደሪ  ሕጎም ግቡእን መሰልን ዓብይ ቦታ ዝሕዙ እዮም። ግቡእን መሰልን ከከም ኩነታት ናይ ሃገራትን ዜጋአንን ናይ  ውዳቤታትን ኣባላተንን  ክፈላለ ዝኽእል ኮይኑ፡ ዘይስገሩ መሰረታዊ ዘመሳስሉ ነጥብታት ግና ኣለዉዎም።

ዜጋታት ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ነዓኡ መሰረት ገይሮም ንዝወጹ ሕግታት ናይ ምምእዛዝን ናይ ምትግባርን ሓላፍነት ኣለዎም። በቲ ሕግታት መሰረት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ዝግበኦም ምኽፋል’ውን ከምኡ ግቡእ እዩ። እቲ ሕግታት ማዕረማዕረቲ ግቡእ፡ መሰል እውን ዘኽብር እምበር ናብ ግቡእ ጥራይ ዝዛዘወ ክኸውን ኣይግባእን።  በቲ ሕጊ መሰረት ዜጋታት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ግቡኦም ንክፍጽሙ ዝመርሕ መንግስቲ፡ መሰሎም ከይጐድል ናይ ምምጥጣን ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ንግቡእ ኣገዲድካ መሰል ምንፋግ ግና ረብሓ ዜጋ ዘየውሕስ፡ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይ ሃገር ሰላምን ልምዓትን’ውን ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ምትእምማን ዘጥፍእ ናይ ሓቢርካ  ምቕጻል ሓደጋ እዩ።

ዜጋታት ግቡኦም ዝፍጽምሎም ኣገባባትን ዝሳተፍሎም መዳያትን ብዙሓት እዮም። ወተሃደር ኮይንካ ህልውና  ሃገር ምዕቃብ ሓደ ኣገባብ ምፍጻም ግቡእ እዩ። ኣብ መዳይ ልምዓት ተዋፊርካ ቁጠባ ሃገር ምዕባይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት ምሃብን  ከለኦትን ዜጋታት ግቡኣቶም ዝፍጽምሎም ዓውድታት እዮም። እዚ ግቡእ ብሃቦ ተረከቦ ዝፍጸም ዘይኮነ፡ ናይቶም ዝዋፈሩ ዜጋታት ኩለ-መዳያዊ ብቕዓት፡ ቅርቡነትን ዝንባለን ኣብ ግምት ምእታው ንዝያዳ ኣድማዕነት ኣድላይ ይኸውን። ኣብዚ እቲ ዜጋታት ግኡኣቶም ንኽፍጽሙ ዘዋፍር፡  ድሌት ውልቀ መራሒ ወይ ጉጅለ ዘይኮነ እቲ ግቡእን መሰልን ዝድንግግ ሕጊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ኣብ መስርሕ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮምን ናይቲ ዝዋፈርሉ ዕማምን ዓላማን ናይ ምርዳእ፡ ዝምርሕሉ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምውሳን፡ ዝመርሖም ኣካል ኣብ ምምራጽ፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ መሰረታዊ  ዜግነታዊ መሰላቶም ተርዲኦም ናይ ምዕቃብን ካለኦትን ናይ ምፍላጥን ምርካብን መሰል ኣለዎም። ዜጋታት ብመንጽርቲ ኣብ ምፍጻም ግቡእ ዘርእይዎ ትግሃትን ብቕዓትን በቲ ዝመርሖም መንግስቲ  ዝምጥኖም መዓርግ ኮነ ነገራዊ ሓለፋ ዘንጸባርቕ መሰል ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ዜጋታት ብምዃኖም ጥራይ ብውሕዱ ዝሕለወሎም መሰረታዊ መሰላት ኣለዎም። ኣብ ሃገርካ ናይ ምንባርን ናይ ምንቅስቓስን፡ ወረቐት መንነትን ፓስፖርትን ናይ ምውናንን መጽለሊ እትሰርሕሉ መሬት ናይ ምርካብ …… ወዘተ፣ ዝኣመሰሉ መሰላት ክዕቀበሎም ይግባእ። ነዚኣቶም ንክትረክብ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ምዃንካ ተገዲድካ ናይ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ሰብ መዚ መጣቕዕን መቀባጠር ምዃን ኣየድልን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ንክትነብር እትሕተቶ ግቡኣት ሕጋዊ ደረት ስለዘይብሉ ዝርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።   ኣተገባብራኡ ከኣ ግቡእ ምዃኑ ተሪፉስ ናብ ኣገልጋልነት ውልቀ ሰባት  ዝቐረበ እዩ። ሃገር ክትከላኸሉ ተባሂሎም፡ ዋኒን ትምህርቶምን ሓዳሮምን ነፊጎም ተገዲዶም ዝወፈሩ ብግብሪ ግና ብዘይክፍሊት ናይ ኣዘዝቶም ኣባይቲ ክሃንጹን ጀራዲኖም ክኹስኩሱን ዝውዕሉ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ባርነት ሓሊፉ፡ ሃገራዊ ግቡኣም ይፍጽሙ ኣለዉ ክበሃሉ ዓገብ እዩ። እቲ ብዝተፈላለዩ ሸፈጣት ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ዝሃልቅዎ ክውሰኾ እንከሎ ድማ እቲ ዓገብ ዝያዳ ይዓርግ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰል ምርካብ እሞ ይጽናሕ ደሃይ ቤተሰቦም ናይ ምፍላጥ መሰል እውን የብሎምን። ካብዚ ብዝገደደ ኤርትራ ብዜግነት ኣብ ሃገርካ ናይ ምቕባር መሰል እውን ብዘየኽብር ጉጅለ እትሳቐ   ሲኦል  እያ ኮይና ዘላ። እቲ በብሓደ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ መሰል ዝንፈጎ ዘሎ ኣጽኒሕና፡ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ንልዕሊ 11 ዓመታት ተኸዚኑ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምቕባር መሰል ዝተነፍጎ ኣስከሬናት ምዝካር ጥራይ  እኹል እዩ።

ከም ናይ ኤርትራ ብዝኣመሰለ መሰላት ዝነፍግ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝምረሓ ሃገራት፡ መራሕተን ነቶም ዜጋታት ሓልዮም ዘይኮኑ፡  ምእንቲ ከገልግልዎም ዝፈቕድሎም ውሱናት መሰላት ኣለዎም። ዝተወሰነ ትምህርትን ጥበብን ንክቐስሙን ኣብ ዝተወሰነ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንክሳተፉን የፍቅድሎም። እዚ ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ብኤርትራ   እትውከል ሰሜን ኮርያ’ውን ይረአ እዩ።  ኣብ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ግና ኣደንቊሩ፡ ኣድክዩን ኩሉ መሰላት ከሊኡን  ዝገዝእ ሕሉፍ ጨካን እዩ። ምስዚ ኩሉ ኤርትራውያን “ሃገርኩም ኣበይ እዩ?” ክንባሃል እንከለና መልስና ብሓበንን ኩርዓትን “ኤርትራ”  ዝብል እዩ። ከምዚ ኢልና  ምምላስና፡   ብኤርትራውነትና  ክንረኽቦ ዝነበረና  ዝተነፍግናዮ መሰል ከምዘሎ ብምዝጋዕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ጸገም ኣብ ኤርትራውነት ዘይኮነ፡ ኣብቶም ዝመርሕዋ ዘለዉ ዓመጸኛታት ምዃኑ ናይ ምግንዛብና  ሓላፍነታዊ መርኣያ እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክርሲያውን ፍትሓውን ብዝብሉ ንተግባሩ ዘይምጥኑ ቅጽላት ተሓቢኡ፡ ንግቡኣት ኣራጒዱ፡ መሰላት ነፊጉ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ’ዩ እሞ፡ ነቲ ብስም ዝመላኽዖ መንነቱ ብሓባር ናይ ምቅላዑ ቃልስና ነሕድስ መልእኽትና እዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ቴለፎን ርክብ ካብ 8 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ከም ዝተቛረጸ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን። ተጠቀምቲ እውን ካብን ናብን ኣስመራን  ኣዲስ ኣበባን ከምቲ  ልሙድ ርክብ ተለፎን ከካይዱ ፈቲኖም ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም። እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ብመነኦም ከም ዝተጀመረ ብወግዒ ዝተገልጸ’ኳ እንተዘየለ፡ ብወገን ኤርትራ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ።

ርክብ ተለፎን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ’ቲ  ካብ 1998 ካሳብ 2000 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ናይ ሃታሃታ ርክብ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 እዩ ዳግማይ ተኸፊቱ።

ድሕሪ ውግእ ትግራይ፡ ንህግደፍ ብዘየሳተፈ ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ምባሉ፡ ህግደፍ ንምቁራጽ እቲ ውግእ ስለ ዘይደገፎ ርክቦም ክዝሕትል ጀሚሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ዝሕተላ ድማ ብወገን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ከም ዘቋረጽ ምስ ኣፍለጠ፡ መንግዲ ኣየር  ኢትዮጵያ ድማ እቲ በረራ ቅድሚቲ ኤርትራ ዝወሰነቶ ናይ ግዜ ገደብ ምስ ኣቋጻረጸት እቲ ፍልልይ እናጐለሐ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ናይ ተለፎን ምቁራጽ ከኣ ናቱ መቐጸልታ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኢንተርኔት ዘይምህላዉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ምስ ቤተሰቦም ናይ ምርኻብ ጸገም ከጋጥም እዩ።

ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣቶ ግርማ ወ/ጊዮርጊስ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመን ኣንበሳድር ሳህለወርቅ ዘውደን

ንዝሓለፈ 6ተ ዓመታት ፕረሲደንት ፈደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኮይና ክትመርሕ ዝጸንሐት ኣንበሳደር ሳህለውርቅ ዘውደ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2024 ካብ ስልጣና ወሪዳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ብዝጸንሐ ኣንበሳደር ታየ ጽቀስላሴ ተተኪኣ። ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ብሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ን2ይ ዙር 6ተ ዓመታት ክትቅጽል እናኸኣለት ዝወረደትሉ ምኽንያት ከም ዘይተገለጸን ናይ ስንብታ ቃል ከተስምዕ ከም ዘይተፈቕደላ እውን ተፈሊጡ።

ምስታ ፕረሲደንት ነበር፡ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ሓላፍነታት ክትቅጽል ከም ዘይኮነት ከናፍሱ ቀንዮም እዮም። ንሳ እውን ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ናይ “x” ሕሳባ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ምስቲ ብዶር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ምቕጻል ከምዘይጠዓማን ብፍላይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ስቕታ መሪጻ ከም ዝቐጸለት ምጥቃሳ ኣዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ብኸምዚ ኣገባብ ዝወረደት ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ዘውደ፡ እቲ ብሕጊ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ዝረኽብዎ ናይ መበሪ ገዛ፡ መካይን፡  ደሞዝ፡ ሰራሕተኛ ገዛን ናይ ክብሪ ሓለዋን ሓለፋታት ክፍቀደላ ድዩ ኣይፍቀዳን ድሮ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይቲ ስማዊ ፕረሲደንትነት ግዜኦም ከይኣኸለ ምስቲ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣብ  ፖለቲካዊ ብዘይርድዳእ ካብ ሓላፍነቶም ዝወረዱ፡ ነፍሰ-ሄር ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ መሰሎም ምስተነፍጎም ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምኽሳስ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ካብ ግዜ መንግስትነት ኢህወደግ ጀሚሩ ገሊኦም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ገሊኦም ድማ ብሞት 8 ዓመታት ምሉእ ብፕረሲደንትነት ዝቐጸለ  የለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልላት ኦሮሞን ዓፋርን ብ6 ጥቅምቲ 2024  ሰዓት 8.10 ናይ ምሽት ንኣስታት 18 ሰከንድ ዝጸንሐ፡ 4.9 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት ከም ዝተፈጥረ ነበርቲ ገሊጾም። እቲ  ዘጋጠመ ምንቅጥቃት መሬት መንቀሊኡ ኣብ ክልል  ኦሮሞ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ፈንታለ ኣብ ዝተባህለ ጎቦታት ምዃኑ፡ ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ኣፍሊጦም።

ዶር ኤልያስ ለዊ ዝተባህሉ ናይ ጀኦ-ፍዚክስ ምሁር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ጎቦታት ፈንታለ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ቦታታትን ዝተፈጥረ ስምዒት ናቱ ናህሪ ምዃኑን እምብዛ ዘሰክፍ ሓደጋ ከምዘየውርድን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ዓቐኑ ደኣ ንኡስ ይኸውን እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ክስተት ምኹኑ’ውን ሓቢሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ  ሰባት  እንታይ ምግባር ከም ዝግበኦም ድማ ምዕዶ ለጊሶም።

ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብወገኖም፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ኮንደምኒየም ኣባይቲ ዝነብሩ እቲ ምንቅጥቃጥ ኣጸቢቑ ከም ዝተሰመዖምን ክሳብ  ናውቲ ገዛ ካብቲ ዝተቐመጦ ናይ ምውዳቕ ኩነታት ከም ዝተራእየን ሰባት ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ናብ ደገ ምህዳም በጺሖም ከም ዝነበሩን ሓቢሮም። በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተመዝገበ ጉድኣት የለን እውን ተባሂሉ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ  ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ28 መስከረምን 5 ጥቅምትን  2024 ፍሉይ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ እንኳዕ ደሓን ኣራኸበና ድሕሪ ምባሉ ኣብ ዘስመዖ መበገሲ ቃል፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ ሰዲህኤ፡ ፖሓኤ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዘመላኽት ሓበሬታ ኣስሚዑ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣቐዲሙ ከም ኣጀንዳ ብዝሰርዖ መሰረት፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ  ተነዲፉ ዝቐረበ ዓመታዊ ትልምታት 2024-2025 ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ብዘይካዚ እቲ ኣኼባ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ- ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ብዝቐረበሉ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ዛዕባታት ተመያይጡ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ከምኡ’ውን ኣባላት ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት ክኹኑ  ንዝተሓጽዩ  ኣባላት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ብፍላይ ኣብቲ 2ይ መዓልቲ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራን ዝተፈላለዩ ንኤርትራን ንከባቢና ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝምልከት ገምጋምን ሚዛንን ኣካይዱ። ኣብቲ ዳህሳስ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታት ካብ ምእታው ሓሊፉ ዝተቐየረ ከም ዘየለ ተገንዚቡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ሎሚ’ውን ሓድነቶም ዓቂቦም፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ቃልሶም ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም መዚኑ።

ብላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝስማዕ ዘሎ፡ ወደብን ኣብፍደገ ባሕርን ኣሳቢብካ ንሉኣውነት ኤርትራ ዝደናደን ወስታታ፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብዚ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይረብሕን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ንዝተደኮነ፡ናጽነትን  ሉኣውነትን ኤርትራ ንድሕሪት ዘይመልስ ዛዕባ ኢዶም ከልዕሉ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ናይዚ ስምዒት መንቀሊ ህላወ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት ምህላዎም’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ካብ 2018 ጀሚሩ ንዝተወሰነ ግዜ ክካየድ  ንዝጸንሐ ንልኡላውነት ዘነኣእስን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዘይህብን ዘይሓላፍነታውን  ዘይትካላውን ኣካይዳ’ውን ግደ ስለ ዝነበሮ ዳግማይ ኮኒንዎ።

ኣብ ጐረቤትና ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን  ዘይምርግጋእን ዝመዘነ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ካብ ተመኩሮ እውን ከም ዝተረጋገጸ፡ እቲ መዋጸኦ ውግእን ምፍንጫላት  ዘይኮነ፡ ብስልጡን መንገዲ ዘተን ልዝብን ጥራይ ስለ ዝኾነ፡  ንዓኡ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሶማሊያን ሱዳንን ዝረአ ዘሎ፡ ናይ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምትእኽኻብን ኢድ ኣእታውነትን፡ ነቲ ጸገማት ዘጋድድ ረብሓን ሰላምን ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ መዚኑ። በዚ መሰረት ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ዜቤታዊ ሕቶ ንዘይምምላስ ወትሩ ናብ ደገ ጥራይ ዘመዓዱ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ሃገራት ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙ እምበር ኢዶም ኣእትዮም ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ ኣዕዚዙ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕዋት ቀዳማይ ዋዕላን ፈስቲቫልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንዘበርከትዎ ተሳትፎ ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ተሳትፈኦምን ኣበርክተኦምን ከበርትዑ  ጸዊዑ።

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን (3 ጥቅምቲ 2024)

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ሰላም ንክረጋግጽ ዘለዎ እማመ ንምርካብን ምስ ህዝቢ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽን ብ3 ጥቅምቲ 2024 ናብ ፖርት ሱዳን ገይሹ። ሕብረት ኣፍሪቃ በዚ መልክዕ ናብ ሱዳን ልኡኽ ክሰድድ ድሕሪ 2015 ንመጀመርያ ምዃኑ እቲ ዜና ኣረጋጊጹ። ኣባላት ናይቲ ልኡኽ ካብቶም 15 ኣባላት ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ዝተዋጽኡ እዮም። ኣብቲ ጉዕዘኡ ናብ ሱዳን ምስ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዳርፉር ሚኒ ሚናዊ ወሲኽካ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ተራኺቡ ብዛዕባቲ ናይ ሰላም እማመ ተዘራሪቡ።

ናይቲ ልኡኽ መራሒ ግብጻዊ ኣንበሳደር ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመድ ዑመር ጋድ፡ ንትሕዝቶ’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንሰላም ሱዳን ዝቐረበ እማመ ኣመልኪቱ  መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ እቲ እማመ ሱዳናውያን ባዕላቶም ብዘይኢድ ኣእታውነት ዝትግብርዎን ዝምልከቶም ዓለም ለኸ  ኣካላት ብዘይኢድ ኣእታውነት  ዝሕግዝሉን ምዃኑ ጠቒሱ።

ማኒ ሚናዊ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳንን ነቲ ዘመሓድሮ ከባቢ ዳርፎርን ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብምትሕብባር ገለ ሃገራት ዝተኣጉደ ውግእ ብሰላም ንምፍታሕ ክጽዑሩ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ሱዳን እቲ ድሕሪ ዕልዋ 2021 ተንጠልጢሉ ዘሎ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክምለሰላ ክትሓትት ከም ዝጸንሐት ኣስፊሩ፡ እቲ ልኡኽ እውን ንኣገዳስነት ግደ ሱዳን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ንክህቦ ጸዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ብዝምልከት ኣብ 2023 ዘውጸኦ እማመ ሰላም፡ ኣብታ ሃገር ህውከት ጠጠው ክብል፡ እኹል ሰብኣዊ ረዲአት ዝቐርበሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ሲቪል ሕብረተሰብ ውሕስነት ክረክብን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክቕጽልን ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ብፕረሲደንት ኡጋንዳ የወሪ ሙሰቪኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ኣካል መዚዙ ነይሩ። መራሒ ልኡላዊ ኩሚተ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ሱዳን ነቲ እማመ እትቕበል ዝተወንዘፈ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እንተተመሊሱላ ጥራይ እዩ ብዝብል ከም ዝተቓወሞን ኣብዚ ናይ 3 ጥቅምቲ 2024 መገሻ ናይቲ ልኡኽ እውን ነዚ መርገጹ ከም ዝደገሞ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ኣካል ናይቲ ሱዳን ተልእኮኡ፡ ናብ ካይሮ ኣቕኒዑ ምስ ዋና ጸሓፊ ዓረብ ሊግ፡ ኣሕመድ ኣቡኢል ገይትን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ባድር ዓብደላጢን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣገዳስነት ምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪቃን ዓረብ ሊግን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረበ’ውን ተፈሊጡ።