EPDP News

ethiotigrai 1

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ነቲ ካብ ዝባራዕ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ብመትከል ቅሩባት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ብናይ ዜና ማዕከናቶም ይገልጹ ኣለዉ። በዚ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 7ተ ዝኣባላታ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን እትምእከል ነቲ መስርሕ ዘተ እትመርሕ ኣካል ከም ዘቖመን ስረሓ ከም ዝጀመረትን ኣፍሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ንዘተ ድልዊ ምዃኑን ኣባላታ’ኳ ብኣስማት ተዘይተገልጹ ተመሳሳሊት ኣካል ኣቚሙ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ፡ መዓስ ከም ዝጅመር ብንጹር ኣይተፈልጠን። ብዘይካዚ መን ከም ዘዛትዮምን ኣበይ ከም ዝዛተዩን ከሎ ጌና ዘሰሓሕቦም ኮይኑ ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘዛቲ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ከኣ ታንዛንያ ከም ዝኸውን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ዘዛቲ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ካለኦት ተዓዘብቲ ዝርከብዎን ኮይኑ፡ ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ምርጫኡ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገር ቅድሚ ምብጸሖም ዘሰሓሕብ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር እዩ ዝካየድ ዝብል ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ።  እዚ በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ክልተ ሰራዊት ምክልኻል ኣይህሉን ብዝብል ናብ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዓለመ ስለ ዝኸውን፡ ናይቲ ዘተ ናይ ምዕዋት ዕድል ካብ ዘጽብቡ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ከባብታት ራያን ወልቃይትን ብዝምልከት ብወገን ክልል ትግራይ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ኣካል ምምሕዳር  ትግራይ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ  እዩ ዝብል ተሪር ቅድመ-ኩነት ኣሎ። ብወገን  ኣምሓራ ከኣ ጉዳይ ክልቲኡ ከባብታት ውዱእ እዩ፡ ራያን ወልቃይትን ናብ ትግራይ ክምለስዩ እዩ ማለት ዘበትዩ ዝብል መደምደምታ ስለ ዘለዎ፡ ካልእ ንምዕዋት እቲ ዘተ ዘጸልምት እዩ ተባሂሉ ዝፍራሕ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ኮይነን ዝጸንሓ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ነብሰን ክኢለን ክሳተፋ ዝብል ርኢቶ ኣሎ። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ’ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግይን 3ይ ወያነ ትግራይን ዝታባህላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ብተደጋጋሚ የውጸአኦም ብዘለዋ መግለጽታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ በይኑ ክዛተ ሕጋውነት የብሉን ዝብል መርገጻተን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ብዙሓት ነዚ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘቡን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደሱን ከም እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ምትእምማን ኣብ ዘይተፈጥረሉ ይእቶ ስለ ዘሎ፡ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ካብ 25 ሓምለ 2022 ጀሚሮም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሾም ኣለዉ። ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እውን ክበጽሑ እዮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ወጥሪ ምስ ተፈጥረ ኮነ፡ ናብ ደረጃ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ናይቲ ጸገም መፍትሒ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ፡ ከተንብህ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

CPJ on eritrea 1

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ፡ ምስ ካለኦት ሸውዓተ ማሕበራት ኮይና፡ ኣካልቲ ጉዳይ  ዳዊት ኢሳቕን ካለኦት 15 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ዝከታተልን ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝቃወምን ማእከል ሕቡራት ሃገራትን ጠበቓታትን ከም ዝኾነት ብ21 ሓምለ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።  

እቲ CPJ እትርከቦ ጋንታ፡ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ  ብጃማላ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ-ኩነት ንክፍትሑ፡ ወይ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ዝተፈልይዎም ቤተሰቦምን  ጠበቓታትን ክራኸቡን ጸዊዑ። እዚ ናይ  ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት በዚ ኣገባብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝነወሐ ግዜ ምዃኑ እውን እቲ ኮሚተ በዚ ስምዕታኡ ሓቢሩ።

መሓመድ ኣብደልሰላም ባብከር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ንኩነታት እቶም ብ2000 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡  ንኹሎም እቶም ንመንግስቲ ሰለ ዝነቐፉ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝውከል እዩ” ከም ዝበሉ እቲ መግለጺ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣተሓባባሪት ናይቲ ኮሚተ ፕሮግራም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጌላ ኩይንታል፡ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ብጾቱን ኣብ ዝምልከት ብዝኾነ ፍትሓዊ መንገዲ ድፍኢት ምግባር ክንቅጽሎ ኢና ኢለን። ካብተን ምስ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኮይነን መግለጺ ዘውጸጋ ማሕበራት ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኣህጉራዊ ኣባላት ፓርላማ ንተግባርን ፔን ኢንተርናሽናልን ይርከብአን።

ኣብዚ እዋንዚ ዝጸንዐ ምቁጽጻር ሓበሬታ (Censore)፡ ዘዘውትራ ዓሰርተ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቱርኩሚስታን፡ ሳዑዲ ዓራቢያ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ኢራንን ኢኳቶርያል ጊኒን እየን ምዃነን ምስቲ መግለጺ ተተሓሒዙ ወጺኡ።

Eritrea Israel 1ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን እስራኤል፡ ላይር ላፒድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኤምባሲ ሃገሮም ዓጽዮም ናይቲ ኤምባሲ ሰራሕተኛታት ከም ዘፋነዉ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝሓበሩ መርበብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/ Eritrea Hub / ፍሊጣ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ”ህዉኽን ናይ ሕርቃንን ይመስል” ዝተባህለ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደረኾም ኤርትራ ንምቕባል ዝተመዙ እስራኤላዊ ኣንበሳደር ንምቕባል ዝያዳ ክልተ ዓመታት ስለ ዘደንጐየቶ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

 እቲ ጉዳይ ብዙሓት ሕቶታትን ግምታትን ዘኸትልኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግምታዊ ሓሳብ ከይኣተኻ ዝለዓሉ ነጥብታት ከም ዘለዉ እቲ ዜና ይጠቅስ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 እዩ ናብ ኤርትራ ኣንበሳደር መዚዙ። ድሕሪ ምምዛዙ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ንሓለፍቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ፡ ኣፍልጦ ክህብዎም እሞ እቶም ኣንበሳደር ናብ ኣስመራ ተጓዒዞም ዝረሖም ክጅምሩ ሓቲቱ።  ድሕሪ እዚ ሓለፍቲ ኤርትራ ንመዝነት ናይቶም ኣንበሳድር ኣየጽደቑን ናይ ዘይመጽዳቖም ምኽንያ’ውን ኣየብርሁን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቶም ኣንበሳድር እስራኤል ናብ ኤርትራ ከይዶም ስረሖም ምጅማር ከም ዘይከኣሉ እቲ ዜና ጠቒሱ። ንተግባራት ሓለፍቲ ኤርትራ ድማ ብመንጽር ዲፕሎማስያዊ ቀጥዒ  ዝይቅቡል ኢልዎ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ኤርትራ ናይ ዘይምቕባል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ እቲ ዘይልሙድ ናይ ዘይምቕባላ ብቑዕ መብርሂ ከተቕርብ ዘይምኽኣላ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰሙናት ዝኣክል ዘጋጥም  ምድንጓይ ኮይኑ፡ እስራኤል ግና ንክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ እዋን  ስለምንታይ ከም ዝተዓገሰቶ? ብዝብል  እቲ ዜና ይሓትት።

ብዘካይዚ፡ ዝምድና ሃገራት ኣብ መትከል ናይ ሓባር ረብሓ ዝምስረት ኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኣብ ሃገራ ግቡእ ንጥፈታቱ እናካየደ እንከሎ፡ ንሳ ግና ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ወኪል ኣብ ዘይብላ ናይ እስራኤል ረብሓ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ተወሳኺ ሕቶ እውን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

ዓመታዊ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣባላት’ቲ ምምሓድር ኣብ ዝተረኽቡሉ  ብ16 ሓምለ 2022  ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ    ብመሰረት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ተመያይጡ፤ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣገደስቲ ኣህጉራዊ ምዕባለታትን ኣመልኪቱ  ብዕምቆት ዘትዩ።

ኣኼባ ብዝቐረበሉ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብቲ ንምምስራት ሃገራዊ ጽላል ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ክክየድ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሕለል ጻዕርታት ንተራ ሰዲህኤ ኣብቲ መስርሕ  ኣሞጊሱ። ነቲ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓባር ኮይኖም ምስ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝተፈራረሙዎ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ዋሕስ ዓወትና፡ ሓድነትና ስለዝኾነ፡ ሰልፍና ምስ ኩሎም ጸረ-ምልኪ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ንምትግባር ንጥፈታቱ ብልዑል ናህሪ ክቕጽሎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።  

ተሳተፍቲ  ኣኼባ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ንዘለዎ ዝምድናታት ብምሕያል፡ ካልእ ሓደስቲ ዝምድናታት ኣብ ምፍጣር  ብዘርኣዮ ሰፊሕ ምንቅስቓስን ዝጨበጦም ዓወታትን  ዝተሰምዖም ዕግበት ብምግላጽ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ንዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ዝምድና ብዝሓየለ ደረጃ  ዓቂቡ ይኸይድ ምህላዉ ከምዘሐጎሶም ኣባላት ኣኼባ ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ ኣረጋጊጾም። 

ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፡ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጥ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ ሰዲህኤ ብፍላይ ንጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፍልልይ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ስለዝኾነ፡ ኣብ እዋኑ ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ እምበር ናብ ኲናት ከምርሕ ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ ከምዝነበረ ዘኪሩ። እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ድማ ብቕልጡፍ ጠጠው ንኽብልን ንህዝቢ ትግራይ ዝዋሃብ ኣገልግሎታት ንኸይቋረጽን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብር ጻውዒቱ ኣቕሪቡ እዩ። ንሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብዝወረዶ  ዕንወትን ሓደጋን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ እዩ።

 ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ ካብ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ናይቲ ስርዓት ዝብገስ እምምበር፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ወራር ብምኹናን  ህግደፍ ሰራዊቱ ቀልጢፉ ካብ ትግራይ ከውጽእን ህዝቢ ኤርትራ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ከሕይልን  ኣብ እዋኑ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ  ህግደፍ ሎሚውን ናይ ውግእ ነጋሪት ይሃርም ምህላዉ ኣኼባ ተገንዚቡ፡ ነዚ ናይ ህግደፍ  ኲናት መርገጺ ደጊሙ ብምኹናን እቲ ጉዳይ ትግራይ ብሰላም ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ዕዉት ንኽኸውን ኣኼባ ትጽቢቱ  ገሊጹ። ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ገበን ብሻራ ዘይብሉ ወገን ተጻርዩ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ንምግባር ንዝካየድ ጻዕሪ ድማ፡ ብኣጽንዖት ደጊፉ።

ምስዚ ተዛሚዱ ኣኼባ  እቲ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝርኤ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንሕቶ ህዝቢ ሱዳን ብዝምልስ ሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ልባዊ ትምኒቱ ይገልጽ። ከምኡውን እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝደገፎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ደው ክብልን፡ ንሉዑላውነትን ነጻነትን ዩክረይን ብዘረጋግጽ መንገዲ ክዛዘምን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣኼባ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ንሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ዝምልከት ብዕቱብ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒቱ እናኣቕረበ፡ ሰልፍና ምስ ኩሎም ደለይቲ ስላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዘሎ ዝምድናታት ኣሐይሉ ክቕጽሎ ብምትሕስሳብ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ  ዘለዎም ድሉውነት ደጊሞም ብምርግጋጽ ዓመታዊ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ተደምዲሙ።

ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቴቨን ሲ ዌከር ብ16 ሓምለ 2022 ብመንገዲ ናይ ፌስቡክ ገጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ተልእከኦም ኣብ  ኤርትራ ፈጺሞም ካብ 17 ሓምለ 2022 ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ኣፍሊጦም። ኣብቲ መልእኽቶም ኣብ ኤርትራ ናይቲ ኤምባሲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኖም ክሰርሑ ምጽነሖም፡ ንሞያኦም ክብርን ድምቀትን ከም ዝሃቦ ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ እቲ ዝዓበየ መግለጺኡ፡ ምስ ህዝቢ ክራኸቡ ምኽኣሎም ምንባሩ ስቴቨን ሲ ዌከር ጠቒሶም። ኣብዛ እትድነቕ ዝበልዋ ሃገር ኤርትራ “ኣዝዩ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበርኩምለይ” ንዝበልዎም ኤርትራዊ ወገናት፡ ሃብታም ባህሎምን ታሪኾምን ስለ ዘካፈልዎም፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን በቲ ኣብ 1993 ዘረጋገጽዎ ልኡላውነት ሕቡናት ብምዃኖም ከም ዘመስገንዎም ኣብቲ ናይ ፈነወ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳድር ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ጠቒሶም፡ በቲ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጸጋሚ ብዘይካ ካብ ሃገርካ ናብ ስደት ምውጻእ ካልእ ዕድል ዘይህብ ኩነታት ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት “ተመሲጠ ኣለኹ” እውን ኢሎም። እቶም ኣንበሳድር ካብቲ ተስፋኹም እካፈል እየ ኢሎም፡  መንግስቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መስተንክር ዓቕሚ ዕድል ዝኸፍት ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት ክገብር ከም ዝትስፈዉ ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

ኣንበሳደር ስቴቨን ሲ ዌከር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዋላኳ ንሓቂ ክትክሕዱን ክትጠልሙ ዝደፋፍእ እንተሃለወ፡ ኣነን ካለኦት ብዙሓትን ግና ብዛዕባቲ ትብዓትኩም፡ ክብርኹም፡ መስዋእትነትኩምን ቃልስኹምን ንፈልጥ ኢና፡ ዝብል ናይ ምትብባዕ ቃል ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ኣስመራ ክብገሱ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ዓሚቕ ትሕትናን ምስጋናን ከም ዝስመዖም ገሊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ካብ ሓሳቦምን ጸሎቶምን ከምዘይፍለ ምስ ጠቐሱ ከኣ፡ ኣግዚኣብሄር፡ ንኤርትራውያን ስድራቤታትን ንሃገሮም ኤርትራን ክባርኻ ተመንዮም።

ኣንበሳደር ስቴቨን ሲ ዌክር፡ ኣብ ስፖዚየምን መደብ ተለቪዥን ኤሪሳት 2022፡ ካብ ኣስመራ ብቐጥታ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ። ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ሰላምን ዲሞክራስን ናእዳን ኣድናቖት ዝረኸቡ ኣሜሪካዊ  ዲፕሎማት እዮም።

ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ጅረፍ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ንምዕው ኣፍራሲ ተንኮላት ይፍሕስ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ናይቲ ስርዓት ልኡኻት ነታ

ነባር ቤት ትምህርቲ ካርቱም ጅረፍ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ንምእታው ንነዊሕ ግዜ ዘካየድዎ ጐስጓስ ምስ ፈሸለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ሓድሽ ተንኮል ምሂዞም ከም ዘለዉ  ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣካላት ኣቃሊዖም።ኣካላት ህግደፍ ነታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ከእትውዋ ካብ ነዊሕ እዋን ፈቲኖም ዘይተዓወቱላ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻዋ፡ ኮነ ኢሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ታሸዓይ ክፍሊ ክምህራ እየን ዝብልወን ክልተ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ከባብታት ሰሓፋን ጅረፍን ከፊቶም ተመሃሮ ምምዝጋብ ጀሚሮም ኣለዉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይታ  ቤት ትምህርትን ወለዲ ተመሃሮን ቁጠባዊ ጸገማት መዝሚዞም እቲ ዝኸፍትዎ ዘለዉ ኣብያተ-ትምህርቲ ብናጻ ኣገልፍሎት ክህብ እዩ ዝብል ምልዕዓላት ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይዚ ስጉምቶም ቀንዲ ዕላማ ነቶም ተመሃሮ ጀሆ ሒዝካ፡ ስርዓተ ትምህርትን በብግዜኡ ዝወሃብ ሓፈሻዊ መርመራታትን ካብ ኣስመራ ከም ዝጽበዩ ንምግባር እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ተመሃሮ ኣብ ኤርትራ ዝሳቐይዎ ዘለዉ ከም ዝሳቐዩ ንምግባር እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ተመሃሮ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ኩነታት ብኻልእ ክንገሮም ክጽበዩ ኣይግበኦምን። እዛ ብዙሓት ፈላጣት ዘፍረየት፡ ደቆም ዝመሃሩላ ዘለዉ፡ ሃብታም ተመኩሮ ዝደለበት  ኤርትራውያን ግዱሳት ብደረጃ ማሕበራት ይኽን ብውልቀ ኣፍልጦን ሓገዝን ክልግሱላ ዝጸንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም ተዓጽያ ደቆም መፍቶ ህግደፍ ከይኮኑ፡ ከሎ ጌና ንከይትዕጾ ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብሩ ይግበኦም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት በረኸት ሰለሙን ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ፡ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ከተማ ለንደን ንወገን ሰሜን ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ፡ ስቲቨነጅ ዝተባህለት ቦታ  ብኢድ ሰብ ሞይቱ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ናይታ ሃገር ፖሊስ ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገር ጀርመን ዛህራን ዩስራን ዝተባህላ ኤርትራውያን መሓዙት መንእሰያት  ኣብ ከተማ ሙኒካ ብዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝተቐትላ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዘደንጹ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሕድሕዶም ተባኢሶም ሓደ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ በረኸት ሰለሙን፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ እዩ ሓቢሩ። እዚ ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ  ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህበን ምንባሩ ፖሊስ ጠቒሱ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ከይድገምን ውሕስነት ጸጥታ ክረጋገጽን ጐስጓስ ከም ዘድሊ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ንጠንቂ ሞት እተን መንእሰያት መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከት፡ ፖሊስ ጀርመን ከም ዝገለጾ፡ እቲ በቲ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ ንሓዲአን ንመርዓ ሓቲቱ ከም ዝነበረ እሞ ከም ዝኣበየቶ፡ በዚ ምስሕሓብ ምስተፈጥረ ከኣ ናብተን ግዳያት ከይከይድ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሁብዎ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

በዚ ዝደጋገም ዘሎ ድንገተኛ ሞት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ዝሰንበዱ ኤርትራውያን ወገናት፡ ብውልቂ ይኹን ብማሕበራት ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ንክረጋግኡ ዘኻል ናይ ምኽርን ምትህድዳእን ሓገዝ ክግበረሎም ይጽውዑ ኣለዉ። ንሓናውን መንእሰያት ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ሰባት ምቕታል ወይ ከኣ ነብስኻ ምጥፋእ ጸገም ዝፈትሕ ዘይኮነስ፡ ተወሳኺ ጸገም ዘኽትል ምዃኑ ተረዲኦም ብህድኣት ክሓብሉ ነዘኻኽር።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታትን ንዳመ-ህንጻ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝተፈራረሙ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። በቲ ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቱ  ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ብሰንኪ  ውግእ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጻን ትካላትን እንደጋና ንምህናጽን ንምሕዋይን፡ ወጻኢኡ ብባንኪ ዓለም ዝከኣል ኰይኑ፡ ብሳልሳይ ኣካል ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዝኸውን ተፈሊጡ። ነዚ መደብ ክተግብር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስማሚዑ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታት  ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNOPS]  ምዃኑ ድማ  ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እቲ መደብ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለዉ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበርዎ ንምምላስ  ዘኽእል ክኸውን እንከሎ፡  ምስ ህዝቢ  ክልል ትግራይ ብምምኽኻር ዝትግበር’ ከምዝዀነ ነቲ መግለጺ ዝጠቐሱ ዜናታት ሓቢሮም። እዚ ኣብ ትግራይ ብሳልሳይ ኣካል ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ዳግመ-ህንጻ፡ ኣካል እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ዝዓነዉ ትካላት ናብ ንቡር ንምምልሳስን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን ዝተታሕዘ መደብ እዩ። እቲ ንህንጸት ዝወሃብ ገንዘብ፡ ባንክ ዓለም ኣቐዲሙ  ንኢትዮጵያ ንዳግመ ህንጻ ንክውዕል ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ 300 ሚልዮን ዶላር እዩ።

ድሕርቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ወዲቓ ኩሉ ኣገልግሎታት ተቛሪጽዋ ዘላ እያ። ቅድሚ ዝተወነ ኣዋርሕ ስብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዘኽእል፡ ብግዝያውነት ተኹሲ ጠጠው  ምባሉ ተኸቲሉ፡ ናብ ትግራይ ክኣትው ጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ  ምስ ስፍሓት እቲ ጸገምን  ሕጽረት ነዳድን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዝሃቦ መላሽ ዘይተፈልጠ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ምንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ዘይተዓወተሉ፡ እዚ ናይ ህንጸት ፕሮጀክት ክትግበር ዘለዎ ዕድል ዝጸበበ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት እዩ።

ቀዳማይ ሶማሊያ ዝመበቆሎም፡ ኣባል ፓርላማ ፊንላንድ ሱልዳን ሰይድ መሓመድ፡  ፍሉይ ልኡኽ ፊንላድን፡ ናይቲ መበቆል ሃገሮም እትርከቦ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ኮይኖም ከም ዝተመዘዙ፡ መሓመድ ደይሳን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪፊንላንድ ብምጥቃስ፡ ካብ መቃድሾ ሓቢሩ። ሱልዳን ሰይድ መሓመድ ኣብቲ ተባራዒ ጸገማት ዘለዎ ቀርኒ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ምሕጋዝ ቀንዲ ዕማሞም ከም ዝኸውን እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፊንላንድ ምስ መብዛሕተኣን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብን ዝምድናን ከም ዘለዎ  ኣረጋጊጹ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ፊንላንድ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ተኣፋፊ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊቲ ንዓመታት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ደርቂ፡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ግርጭታት ዝሳቐ እዩ። ብመሰረ ናይ ጸጥታን ወጻኢ ጉዳይን ፖሊሲ ፊንላንድ እቲ ቀዳምነት ዝህቦ ዘተ ሰላም  እዩ።

ናይዞም ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ምምዛዝ ዕላማ፡ ዝምድና ፊንላንድ ምስ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ምድልዳል፡ ግርጭታት ንሃዋህው ህድኣትን ጸጥታን ንክሕግዝ፡ ጸገማት ብሰላም ንምፍታሕ ኣስተዋጸኦ ምብርካትን ምስ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓሕዙ ጉዳያት ምብራኽን ዝምልከት እዩ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ነዚ መዝነት ዝምልከት ተወሳኺ ክፍሊት ከምዘይህልዎ ጠቒሶም፡ ነዚ ናይ ፍሉይ ልኡኽነት ሓላፍነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረከብዎ ብብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ምዃኑ ንትካል ዜና ኣናዶሉ (Anadolu) ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ናብዚ ሓላፍነት ምምዛዞም ከም ዘሕጉሶምን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ከም ዝጽዕሩ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገሹን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ህንጸት ሰላም ከም ዘሕይሉን ከኣ ጠቒሶም።

ኣድሚ ሕጂ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይናን ዓባይ ብሪታንያን ዝርከብዎም ወገናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት  ልኡኻቶም መዚዞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ ይኸውን ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ብ11 ሰነ 2022 ዝመዘዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብ9 ሓምለ 2022 ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቚማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናብተን ዝቆማ ንኡሳን ኣካላት ከፋፊላ፡ ዝመርሑወን ከኣ  መሪጻ። እተን ዘቖመተን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ሰነዳት፡ ክፍሊ ገንዘብን ቀረብን፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝሳተፍቲ ኣባላትን ክፍሊ ዜናን እየን።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ቃለ-ጉባአ ተመያይጣ ኣብ ርእሲ ምጽዳቓ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብማእከላይ  ባይቶ ዝተመዘዙ 13 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ተመዲቦም ብዛዕባ ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰልፊ እውን ተመያይጣ።

እዛ ሽማግለ፡ ኣቐዲማ ብ26 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየደቶ በኹሪ ኣኼባ፡ ብጾት ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር፡ ደስበለ ካሕሳይ ምክትልን ኪዳነ በርሀ ጸሓፍን ኮይኖም ክመርሑ  ምምራጻ ዝዝከር እዩ።

ጉባአታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ቅዋሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ 4ይ ጉባአ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።