EPDP News

ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ዝርከብ፡ ዮሃንስ 4ይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም፡ ብምኽንያት ውግእ ዕንወት ኣጋጢምዎ ን4 ዓመታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ290 ሚልዮን ብር ተጸጊኑ 9 ሰነ 2024 ዳግማይ ስርሑ ጀሚሩ። ምኽፋት ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘነበረ ስነ ስርዓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ትግራይ ተረኺቦም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ ጽገና ምድንጓዩ ጠቒሱ ኣብ መጻኢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያቡ ጻዕሪ ንክገብር ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣክሱም ብዩኒስኮ ዝተመዝገበት ናይ በጻሕቲ መስሕብ ዘለዋ ከተማ ብምዃና ናይቲ መንገዲ ኣየር ምኽፋት ረብሓኡ ብዙሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣቶ መስፍን ጣሰው ብወገኑ ነቲ መዓርፎ ነፍርቲ ንምጽጋን ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘርዚሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ፡ ብደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ ዕስራ መስመራት ከም ዘለዉዎ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 3 ግዜ በረራ ኣለዉዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ትዮጵያ፡ ካብቲ  በረራኡ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዘቋርጽ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ መንዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ከም ዝሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ሓቢረን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተፋነኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።  ናይቲ ምትፍናን ምኽንያት  ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ።  እቲ ዝድግፍ ወገን በቲ ህግደፍ በብግዜኡ መልክዕ እናቐያየረ ዘቕርቦ መዳህለሊ ምኽንያታት ተዓሽዩ፡ ንስልታዊ መግዛእትን ምግሃስ ኩሉ መሰላትን ናይቲ ስርዓት ዝተቐበለን ዝከላኸለሉን እዩ። እቲ ዝቃወም ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊት ሃገር ዝድረት ኣይኮነን ይብል። ስለዚ ሓቀኛ ሓርነት ንምስትምቓር “ህግደፍ ክውገድ ናይ ግድን እዩ” ኢሉ ዝኣምንን ንምትግባሩ ይቃለስ ዘሎን እዩ።

ብፍላይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት  ንምጅማር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ማዕበል “ብርጌድ ንሓመዱ” ተኸቲሉ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ሓያል ምስሕሓብ ማዕቢሉ፡ ናብ ኣካላዊ ጉነጽ ምስ ተሰጋገረ፡ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ከም ዝሰፈሐ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ናይቲ ምጉናጽ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ኩሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ ማዕበል ብቐጥታ ዝሕንብሱ ጥራይ ነይሮም ኢልካ ምድምዳም ከም ዘጸግም ፍሉጥ እዩ።  ጐነጽ ዘይምረጽን ሃሳይን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን ክወርድ እንከሎ ድማ ዝያዳ ከም ዘቐንዙ ርዱእ እዩ። እቲ ክጅመር እንከሎ ቀሊል ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ትዕግስቲ ምጽውዋርን ኣርሒቕካ ምምዕዳውን ጐዲልዎ፡ ናብ ሞት፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሳርትን መጻኢ ህይወት ምዝራግ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዕራጉን  ዘሕዝን ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ንቡርን መርኣያ ብዙሕነትን እምበር፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝተጀመረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ተርእዮ ክበሃል ዝከኣል ብሰንኪ ዘይምጽውዋርን ናይ ሓሳብ ምክብባርን ናብ ምቅትታል ምብጽሑ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝቐደመ ተማሂርና፡ ነቲ ኣዕናዊ ኮኒንና ነቲ ሃናጺ ድማ  እነማዕብል ነቲ ዘረሓሕቕ መንገዲ እናደገምና ብኣኡ ንቕጽል ምህላውና እዩ። እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ክቕጽል ዝጸንሐ፡ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሰርቲ፡ ዕንወት ንብረትን ምስቶም ሰላም ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ናይተን ንነብረለን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ምጉናጽን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ክልተ ሓላፍነት ስድራቤት  ዝነበሮም ኤርትራውያን ህይወት ምሕላፉ ከኣ፡ ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንዓለምና እውን ኣሻቓሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንዓና ከኣ ዝያዳ የሕዝነናን ሓላፍነት የሰክመናን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ፍልልይ እምነትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዓቂብና፡ ብሓባር ክንነብራ ስለ ዝግበኣና።

እዚ ናብ ደረጃ ምቅትታል ክበጽሕ ዘይተጸበናዮ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ ሓድነትና ኣላሕሊሑ ነቲ ምእንቲ ሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከም ዘዳኽሞ ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ ክስተት ካብዚ ንላዕሊ ሱር ከይሰደደ እንተዘይ ኣሊናዮ ንቀጻልነትና ከም ህዝቢ ከም ዘስግእ ተቐቢልና መዋጸኦ ክንረኽበሉ ዝግበኣና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ነዚ ክስተት ኣብ ክንዲ ከይሰፈሐ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ኩርናዕ  ምጥፍኡ፡ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ወለዶን ዓድን ናይቶም ቀተልትን ተቐተልትን  እናጸብጸብካ ከም ዝላባዕ ንምግባሩ ዝረአ ሃቐነታት ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክዕገት ይግበኦ።  እዚ ህዝብና ንምክፍፋል ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ጥፍኣት ብፍላይ ንደለይቲ ለውጥን ሓድነትን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ብምትፍናንን ፍልልያትን ህዝብና ዝረብሑን ዕድመ ስልጣኖም ዘንናውሑን ወገናት ግና ካብ ምግዳዱ ንድሕሪት ኣይክብሉን እዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዕላዊ መድረኽ፡  ናብቶም ኣብ ዲያስፖራ ክቃተሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ፡ ኣብ ክንዲ ምትህድዳእን ምምዓድን “ኣገናዕ በቲ ዝሓዝኩምዎ ቀጽልሉ” ምባሉ፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት መርኣያ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውራም መግለጺ፡ ካብ ዲታቶር ግና  ዘይንጽበዮ ኣይኮነን።

ሳዕቤን ናይዚ ዝረአ ዘሎ ኣስጋኢ ኣንፈት፡ ኣብ ኩሉ  ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ዘረኻኽበሉ እምበር፡ ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ናብ ንቡር ንምምላሱን ሰለማዊ ማእዝን ምትሓዙን ድማ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ሓላፍነት ዘይኮነ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን በሃግቲ ለውጢ፡ ሰላምን ሓድነትን ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ካብቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ብህውከት ዝዕንገሉ ወገናት መፍትሒ ክመጽእ ከምዘይክእል ግና ካብ ናይቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቀራርባ እንርደኦ እዩ።   

ኤርትራውያን ፖለትካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ህዝባዊ ማዕበላት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መድያታትን ኣብኣተን ዝነጥፉ ክኢላታትን ምሁራትን፡ በብደረጃኡ ዝግለጽ ናይ ምእላይን ምትህድዳእን ሓላፍነት  ኣለዎም። እዞም ዝተጠቐሱ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ጋንታ ፈልዮም ህውከት ዘጋድዱን ንሕነ ምፍዳይ  ዘተባብዑን፡ መንገዲ ሓቅን ርትዕን ክሕዙ እንከለዉ ኣውንታዊ ግዲኦም ልዑል እዩ። ብኣንጻሩ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ሓላፍነቶም ክዝንግዑ እንከለዉ ዘውርድዎ ጉድኣት ብኽንድኡ ደረጃ ኣዕናዊ ምዃኑ ንከታተሎ ዘለና’ዩ እሞ፡ ብጽሞና ይሕሰብሉ። ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምቅትታል ማዕበል፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ብገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮፖጋንዳን ምግዳዱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ካልእ ዘነዓዕብ መልክዕ ምትሓዙ፡ ውጽኢቱ ደሓር ዘጣዕስ ስለ ዝኾነ ጠጠው ክብል ይግበኦ። ኣብዚ ኣፍራሲ ተግባራት ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ከሎ ጌና ክሓስብሉን ብመንጽር ድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር ብግዝያዊ ጠቕሚ ከይርእይዎ ነዘኻኽሮም። ብስም’ቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ምጉዳል ኣካላትን ምዝኽታም ህጻናትን ኣተሓሒዝካ ዝግበር ምውጻእ ገንዘብ፡ ካብ ሰብኣውነትን ወጺኡ  ህውከት ዘጋድድ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።

ናይቲ ምቅትታል መሰረታዊ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝሳዕረረ ጭቆናን ባርነትን ምዃኑ ዘይከኣሓድ እዩ። ምስዚ ድማ ንምስሊ ኤርትራዊ “ጽንዓት፡ ተጸዋርነትን ክኽእሎ እየ በሃልነትን” ይድውን ከም ዘሎን ናይ ብዙሓት ኣሉታዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ምህላዉን ጥራይ እኹል መረጋገጺ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሎሚ ኤርትራዊ ስሙ ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ስርዓተ-ኣልቦነት፡ መርኣያ ኮይኑ ይግለጽ ምህላዉ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ፡ እዚ ኩነታት “ከም ውሕጅ እናኣስሓቐ ከይወስደና” ንምሕጸን ዘለና።

 

 

ሕብረት ኤውሮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ እገዳ ክቕጽል ሰለ ዝወሰነ ኣብ ብሩስል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝሓደሮ ሕርቃን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣንጸባሪቑ። እቲ መግለጺ ኤምባሲ  ንተግባር ሕብረት ኤውሮጳ “ዘይቅቡል ጸለመ” ብዝብል ሓረግ ብምግላጽ ዘይተደላዪ ምስሕሓብብን ጽልእን ዝፈጥር እዩ እውን ኢልዎ።

እቲ ንክቕጽል ዝተወሰን እገዳ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ብሕብረት ኤውሮጵ ዝተበየነ፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ናብቶም ኣብ ኤርትራ ሰባት ዝኣስሩን ኣገዲዶም ብሓይሊ ዝምርምሩን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ጸጥታ ናይታ ሃገር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እዚ እገዳ ብመጀመርያ ዝተወሰነሉ ግዜ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዝተፈላለዩ በደላት ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብቲ እዋንቲ እውን ነቲ ርኡይ በደላቱ ክሒዱ ነቲ እገዳ ክቃወሞ ፈቲኑ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ናይ 3 ሰነ 2024 ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኩነታት ተጠቒሙ ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀኦ-ፖለቲካዊ ሓይሉ ንምድልዳል ዝመሃዞ ከም ዝነበረ ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ብእተካይዶ ቃልሲ ከም እትፍለጥ ጠቒሱ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና  ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናይ ምዝራብ ሞራል የብሉን  ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ህግደፍ ንክቕጽል ዝተሓደሰ እገዳ ሕብረት ኢውሮጳ፡ በቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ክከታተል ዝተመደበ ኣካል ዘቕርቦ ጸብጻብ ጥራይ ዝተደረኸ እዩ ክብሎ ፈቲኑ።

 ቀዳማይ ርክብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኮርያን ኣብ 3ን 4ን ጉንበት 2024 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኮርያ ሰኦል ከም ዝካየድ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ልኡኻት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኮርያ ዝምድና ዘለዎም ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ናይ ኮርያ ፍሉጣት ባእታትን ትካላትን ፕረሲደንት ጉጅለ ልምዓት ባንክ ኣፍሪቃን ክሳተፉ እዮም። ደቡብ ኮርያ ነዚ ኪንተክሽ ኣብ ዝበሃል ማእከል ምርኢት ኣብ ከተማታት ሴኦልን ኢልሰን ዝካየድ ርክብ ምስ ኣፍሪቃ ክትጽውዕ ኣብ ታሪኻ ናይ መጀመርያ ግዜ እዩ።

ናይቲ ርክብ ዛዕባ፡ እቲ ሓቢርና እንፈጥሮ መጻኢ፡ ናይ ሓባር ዕቤት፡ ቀጻልነትን ምሕዝነትን እዩ ዝብል ኮይኑ፡ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ደቡብ ኮርያን ንምብራኽ ዝዓለመ እዩ። እቲ ርክብ መራሕቲ ኣፍሪቃን ካብ ፕረሲደንታ ጀሚርካ ክሳብ ክኢላታት ኮርያን ንምሕያል ዘተኮረ እዩ።

እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀጻሊ ርክባትን መጻኢ ምዕባለን ምምይያጥ፡ ኣብ ምምካት፡ ዓለምለኻዊ ብደሆትታ፡ ለውጢ ኣየር፡ ውሕስነት መግቢ፡ ምውሓስ ዝርጋሐ ሰብኣዊ ጉዳያትን ጥዕናን ዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑ ተመልኪቱ። እቲ ኣጋጣሚ ካብ ርክብ መራሕቲ ሃገራት ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ሕርሻ፡ ኢንተርኔት ተክኖሎጂ፡ ገረብን ምግራብን፡ ክታበትን ጥዕናን፡ ቱሪስም፡ ጸዓትን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ዝምልከት ጐናዊ ሰሚናራት ክካየዱ እዮም።  ኣብዚ ርክብ ክሳብ 25 መራሕቲ ዝርከዎም ወከልቲ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ዝግመት ኮይኑ፡ ካብኣቶም  ኢስያስ ኣፈወርቅ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ፕረሲደት ዊልያም ሮቶን ይርከብዎም።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ሩሲያ፡ ሱዕድያ፡ ኢጣልያን ህንድን ርክባት ምክያዶም ዝዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ኣፍሪቃ ዝያዳ ቆላሕታ ትረክብ ከም ዘላ ዘርኢ  እዩ።

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጋውያን ኣይኮኑን ተባሂሎም ተሰሪዞም ዝጸንሑ ሰልፍታት “ናብ ሰላማዊ መንገዲ ተመሊስና” ኣብ ዝበልሉ፡ ዳግማይ  ዝነበሮም ኣፍልጡ ዝረኽብሉ ሓድሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ብ31 ጉንበት 2024 ንድፊ ኣዋጅ  ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ  (ፓርላማ) ክቐርብ  ከም ዝወሰነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።

ናይዚ ኣዋጅ ምውጻእ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ግዜ ውግእ “ዘይሕገመንግስታዊ ምንቅስቓስ መሪጹ” ብዝብል ተሰሪዙ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ሰላም ፕረቶርያ ኣባልነቱን ዝተኣገደ ንብረቱን ክምለሰሉ ምሕታቱ እዩ።  ብወገን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ “ኣባልነቱ ተሰሪዙ ንብረቱ ዝተወርሰ ሰልፊ፡ ከም ሓድሽ ክምዝገብ እምበር፡ ናብቲ ናይ ቅድም ደረጃኡ ንምምላስ ዘኽእል ዓንቀጽ የብለይን” ስለ ዝበለ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሰልፊ ብልጽግናን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።

ዋላኳ ህወሓት ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ዝኸተመ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላሱ ንቡርን ህያውን እዩ ብዝብል ምጉት እንተጸነሐ፡  እቲ ብ2020 ብዛዕባ ኣመዘጋግባን ምስራዝን  ሰልፍታት ተመሓይሹ ዝጸደቐ ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጃ ነዚ ዝተቅስ ዓንቀጽ ስለ ዘየብሉ፡  ክሳብ ሎሚ ህወሓት ኮነ መራሕቱ ሕጋውያን ኣይኮኑን። ኣብቲ ኣብ ባንክ ዘሎ ዘንቀሳቕስዎ ገንዘብን ንብረትን እውን የብሎምን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ “ሕጊ ጥሒስካ ንቦርድ  ምርጫ ምግዳድ ዘይክእል” ስለ ዝበለ ሓዲሽ ኣዋጅ ከውጽእ ከም ዝተገደደ እዩ ዝንገር።

ህወሓት ዋላኳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መበል 14 ጉባአኡ ከም ዘካይድ ብምግላጽ ምድላዋት የካይድ እንተሎ፡  ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይሃቦምን ብኣካል ተረኺቡ ናይ ዘይተዓዘቦን ጉባአ ውጽኢት ሕጋዊ ክኸውን ስለ ዘይክእል ውሳነ ናይቲ ተወከልቲ ትግራይ ዘየብሉ ፓርላማ ኢትዮጵያ ክጽበ ከም ዝግደድ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣቦመንበር  ኣወሃሃዲ ሲቪል ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሱዳንን  ዓብደላ ሓምዶክ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሲቪላዊ ምውህሃድ ኣብቲ ካብ 15 ማዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ተሓታቲ ከምዘይኮነ  ዳግም ኣፍሊጡ።

እቲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝቃወሙ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን እውን ዝተሳተፍዎ ኣወሃህዲ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 600 ሱዳናውያን ዝተሳተፍዎ ካብ 27 ክሳብ 30 ጉንበት 2024 ኣብ ዘካየዶ ኮንፈረንስ እዩ ንዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ መሪጽዎ። ኣብዚ ”ውግእ ጠጠው ክብል፡ ሰራዊት ናብ መደበሩ ክምለስን ህላወ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብቂዑ ኣባላቱ ናብ ሲቪል ማሕበረሰብ ክጽንበርን” ዝጽውዑ ጭረሖታት ዝተንጸባረቐሉ ኮንፈረንስ፡ እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ዝምረሓሊ ሕግን መርሃ-መንገድን ከም ዝጸደቐን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ መሪሕነት ከም ዝተመርጸ ከኣ ተሓቢሩ።

ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶል ኣብ መዕጸዊ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡  ሲቪላዊ ሕብረተ-ሰብ ሱዳን “ኣብቲ ውግእ ኢድ የብለይን” ይብል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ንሰብኣዊ ሓገዝ ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ምጥቃም ከም ዝኹንን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ዞባዊ  ሓይልታትን ኣወሃሃዲ ኣካሎም ኣውጺእዎ ንዘሎ ኣገባብ ምዝርጋሕ ረዲአት ክኽተሉ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ንእማመ ሰላም ኣሜሪካን ሱዕድያን ዝድግፍ፡ ብሕብረት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ዝተወደበ ኮንፈረንስ ከምዘይድግፎን፡ ኣብ ግብጺ ክካየድ ትጽቢት ንዝግበረሉ ኣብ ምፍታሕ ጸገም ሱዳን ዝዓለመ ርክብ ከም ዝመርጽን ብተደጋጋሚ ይገልጽ ኣሎ። ብወገን ኣሜሪካ ኣካልዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ንቕሎ ንክኾውን ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ድማ ነጺግዎ።

እዚ ኩነታት ነቲ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዕድያን ሩሲያን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት፡ ኢትዮጵያን ዩክረይንን ዝርከብዎ ወገናት ክሳብ ክንደይ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ኣእትዮም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ።

.

ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት/CPJ፡ ኣባል ሃገራት ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተል ዝተመዘዘ ራፖርተር ናይ ተልኦ ግዜኡ ክናዋሓሉ ብ27 ጉንበት 2024 ጸዊዑ። እቲ ኮሚተ ነዚ ዝጸወዐ ኣካል ናይተን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ካለኦት 30 ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምዃን እዩ። እቲ ናብ ኤርትራ ዝተመደበ ፍሉይ ራፖርተር ፈቓዱ ኣብ ዓመት ዝሕደሰሉ ክኸውን እንከሎ፡ ተልእኮኡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ትንተናታትን ሓበሬታን ዝሓዘ ስሩዕን ፍሉይን ጸብጻባት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ምቕራብ እዩ።

እተን ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ዝርከበን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝጸሓፈኦ መዘክር፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ጠቒሱ። ከምኡ ዘበሎ ምኽንያት ክዝርዝር እነክሎ ከኣ፡ ጃምላውን ግሉጽነት ዝጐደሎን ማእሰርቲ ጋዜጠናታትን ሰራሕተኛታት መዲያን፡ ብኩራት ናጻ መዲያ፡ ከምኡ እውን ካብ 1991 ጀሚሮም ዝተፈጸሙ እሞ ዘይተመርመሩ ምስዋር ሰባትንን ተመሳሳሊ ገበናትን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ።

እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረበ ምሕጽንታ ኣተሓሒዙ፡ ህግደፍ ብዘይፍርዲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣሲርዎም ዘሎ ወገናት ብናጻ ክፍትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ብተደጋጋሚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃን ተመሳሳሊ ሓላፍነት ብዘለዎም ዓለምለኻዊ ትካላትን ክቐርቦ ንዝጸንሐ መጸዋዕታ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ሳህራ ንታሕቲ ካብ ዘለዋ ሃገራት ቀዳመይቲ ኣሳሪት ጋዜጠኛታት ምዃና ኣቃሊዑ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ተኸታቲሉ ናብ ኮሚተ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከቕርብ ተመዚዙ ዝሰርሕ ዘሎን ኣብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ ተልእኮኡ ክናወሓሎም ትጽቢት ዝግበርን ናይ ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሶር ሱዳናዊ ዶ/ር መሓመድ ዓብደልሰላም ባበከር እዩ።

ግሎባል ሃንገር/Global hunger፡ ዝተባህለ ትካል ብምጥስ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኤርትራ ካብተን ብጥሜት ኣብ ቅድሚት ዝስረዓ 16 ሃገራት ሓንቲ ምዃና ሓቢሩ። እቲ ትካል ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ጥሜት/hunger day 28 ጉንበት  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቡሩንዲ ቅድሚ እትስራዕ ክትከውን እንከላ፡ ኤርትራ፡ ምብራቕ ቲሞርን ኮሞረስን ድማ ብቕደም ሰዓብ ከም ዝኽተለኣ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም ክልቲ ቢልዮን ሰባት “ሕቡእ ጥሜት” ብዝበሃል ይሳቐዩ ከም ዘለዉ’ውን ድማ ኣመልኪቱ። ሕቡእ ጥሜት ብዙሕ ዘይረአን ዘይዝረበሉን ኮይኑ፡ መዓዛዊ መግቢ ብዘይምርካብ  ንሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣዳኺሙ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዕቤቶም ዝዓግት ምዃኑ ገሊጽዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ መግለጺ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣስታት 805 ኣብ ቀጻሊ ናይ ጥሜት ሓደጋ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ነዚ  ንምውጋዱ’ኳ ቀጻሊ ጻዕሪ  ይካየድ እንተሎ፡ እንተኾነ ብመሰረት ናይዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ሰንጠረዥ ጌና 26 ሃገራት ናይዚ ሓደጋ ግዳያት ኮይነን ኣለዋ። 

እቲ ን9ይ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ናይ ሃገራት ተርታ ከትሕዝ እንከሎ ኣብ ግምት ዘእትዎም፡ ዓቐን ኣብ ጥሜት ዝወደቑ ሰባባት፡ ብዝሒ ብጥሜት ዝጥቅዑ ህጻናትን  መጠን ሞት ህጻናትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ጥሜት እዮም ካብ ዝበሎም ምኽንያታት ከኣ ኣስፊሩ።

ካብቶም ምኽንያታት ኢሉ ዘስፈሮም፡ ሓሪሱን ነጊዱን ንመግቢ ዝኸውን እቶት ከፍሪ ዝግበኦ መንእሰይ ኤርትራ ኣብቲ መወድእታ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምጽማዱ፡ እቶም ዝርካቦም ሓረስቶት ኤርትራ ካብ ንሓደ ቤተሰብ ምምጋብ ሓሊፉ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ምህርቲ ዘየፍሩ ኣብ ናእሽቱ ሕርሻ ዝተደረቱ ምዃኖምን ካብ ለገስቲ ዝወሃብ ረዲአት ብመንግስቲ ምሕሳም ወይ ብግቡእ ናብቲ ዝምልከቶ ዘይምክፍፋልን ከም ናይ ዩክረይንን ሩሲያን ዝኣመሰሉ ውግኣትን ዘርዚሩ።

ድሕሪ’ቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መድረኽ ጽንብል መብል 33 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወጻኢ ክፍጠር ዝጸንሐ ናይ ኤርትራውያን ሕድሕድ ህውከት ንምትብባዕ፡ ኣብ ወጻኢ ናብ ዘለዉ ደገፍቱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፈተነ እዋናት፡ ኣብ’ ዝሓለፈ ዓመት ብዘርኣይዎ ሓርበኛነትን ከኣ ኣገናዕ! ቀጽልዎ!” ምባሉ ምቅትታል ቀጺሉ፡ ኣብ ደላይ ሰላምን ለውጥን ኤርትራዊ ሻቕሎት ኣሕዲሩ ኣሎ።

በዚ መሰረት ብ26 ጉንበት 2024 ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ጐደናታት ከተማ ሸፈልድ ደገፍቲ ህግደፍ ብዘነዓብዎ ህውከት፡ 22 ኤርትራውያን ተጐዲኦም ናብ ሕክምና ከም ዝተወስዱ ደይሊ-መይል ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ባእሲ ኣብ ሃገር እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ሃቲቫክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተፈጥረ ናይ ሕድሕድ ናዕቢ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ 3 ኣዝዮም ህሱያት ዝርከብዎም 5 ሰባት ድማ ተወቒዖም ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ናይ ንብረት ዕንወት ከም ዘጋጠ እውን ተሓቢሩ።

በዚ ኩነታት ስግኣት ዝሓደሮም ኤርትራውያን ወገናት ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት፡  ነቲ ኢሳያስ ዘስመዖ ህውከት ዘተባብዕ ቃል እናወገዙ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ናብ ምቅትታል ከየምርሑ ይጽውዑን የተሓሳስቡን ኣለዉ። ብፍላይ ኣገልገልቲ ህግደፍ ኮይኖም፡ ኣሕዋቶም ዝሃድኑ ደሓር ካብ ምጠዓስ ሎሚ ከስተውዕሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ፡ ነቲ ብ9 ጉንበት 2024 ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣባል ብሪጌድ ንሓመዱ ዝተፈጸመ ቅትለት ድሕሪ ምኹናን፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ክንዲ ምጽውዋር፡ ስለምንታይ ምቅትታል?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ “ኤርትራውያን……….ደጊም፡ ናብ ልብና ተመሊስና  ናይ ክሳብ ሕጂ ምቅትታል ይኣክል፡ ንጉዳያት ብመንገዲ ፍትሒ ጥራይ መዕለቢ ክግበረሉ ክንደፍእ እዩ ዝግበኣና።” ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ይዝከር።

ሎሚ ዕለት 27 ጉንቦት 2024  ዓ.ም ሓጺር ታሪኽ ህይወት  እንፈትዎን እነፍቅሮን ኣቦናን ሓውናን ሓርበኛ ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ተዋሒጥና እነቕርቦ ዘለና ካብ ባሕሪ ብጭልፋ  እዩ።

እንፈትዎን እነኽብሮን ገዲም ሓርበኛ ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብራኣብ፡ ካብ ወላዲኡ ኣቶ ክብርኣብ ደበሳይን ካብ ወላዲቱ ወይዘሮ ብዙ ዘገየን፣ ብዕለት 12 መስከረም 1949 ኣብ ዓዶም ድርኮ ወረዳ መራጉዝ፣ ኣውራጃ ሰራየ፣ ብማሕረስን መጓሰን፣ ስራሓት ህንጻን ካብ ዝነባበሩ ስድራ-ቤት ተወሊዱ።

ተስፋማርያም ዕድሚኡ ንትምህርቲ ኣብ ዝኣኸለሉ እዋን፣ ከምቶም ዝዓበዩ የሕዋቱ ናብ ትምህርቲ ወፈረ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ-ዃላ ተማሂሩ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብታ ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን ዘፍረየት ቤት ትምህርቲ ብዘልማድ ሳን ጀርጆ እንዳተባህለት እትጽዋዕ፣ ግን ከኣ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሰንት ጆርጅ/ ቅዱስ ግዮርግስ ክትባሃል ዝግባእ ቤት ትምህርቲ መንደፈራ ካብ 1963 ዓ.ም ክሳብ 1967 ዓ.ም ተማሂሩ።

 ቀጺሉ፡ ኣብቲ ኣብ ጅማ ዝርከብ ናይ ሕርሻዊ ኮለጅ ንክልተ ዓመታት ተማሂሩ፣ብናይ ሕርሻ ዲፕሎም  Agriculture Diploma ተመሪቑ። ድሕሪ ናይ ሕርሻ ትምህርቲ ኣጠናቂቁ ምምራቑ ካብ 1970 ዓ.ም ክሳዕ 1974 ዓ.ም ኣብዘሎ ዓመታት ኣብ ሀረር ናይ ሕርሻ መምህር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ስዒቡ፡  ካብ መስከረም 1974 ዓ.ም ክሳዕ መጀመርያ ወርሒ 1975 ዓ.ም ኣብ ናይ ኣስመራ መምህራን ኰለጅ (TTI)  ብምምህርና ንህዝቡ ኣገልጊሉ።

ተስፋማርያም በቲ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ ምትእስሳር መሰረት ከምቲ ኩሉ ናይ ሽዑ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ 1975 ዓ.ም ብውዕዉዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ ንናጽነት ኤርትራ ክብጆ፣ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ከም ኩሉ ሓድሽ ተሰላፊ መንእሰይ ድማ መባእታዊ ወተሃደራውን ፖልቲካውን ትምህርቲ ምስ ተኸታተለ፣ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሓይሊ 662 ኣብ ጋሽ ተመዲቡ ተቓሊሱ።

ድሕሪ‘ቲ  ብ1975 ዓ.ም ዝተኻየደ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ዝተገብረ ስርርዕ ምቛም ናይ ኣብያተ ጽሕፈታት፣ ብሓፈሻ ናብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ-ሃብቲ፣ ብፍላይ ከኣ በቲ ዝነበሮ ትምህርትን ሞያን መሰረት ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ተመዲቡ፣ ኣብ ዓሊ ግድርን ተኽረረትን ካልኦት ቦታታትን ዕዉት ዝዀነ መደባት ሕርሻ ኣተግቢሩ። ከምኡውን ኣብ ሃገር ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ሕርሻ ወፍሪ/ፕሮጀክት፣ ናይ‘ቲ ፕሮጀክት ሓላፊ ኰይኑ ንኡድ ዝዀነ ስርሓት ኣካይዱ።

 ተስፋማርያም ብስርሑ ንጡፍ፡ ንዝስርሖን ዝውስኖን ደጊሙ ዝሓስብ፡ ኣብ ስርሑ ዕዉት፡ ብተፈጥርኡ ድማ ምቕሉልን ህዱእን፡ ንነገራት ብቐሊሉ ዝርዳእ፡ መኽበሪ ብጾቱ፡ መሳርሕቱን  መናብርቱን ምንባሩ  ዝምስከረሉ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ተስፋማርያም ካብቶም ሓያሎ ስራሓቱ፣ እቲ ሓደ ኣዝዩ ብዝያዳ ዝነኣደሉ፡ ኣብ 1977 ዓ.ም ከተማታት ካብ ኢድ ጸላኢ ነጻ ምስ ወጻ፡ ንሕርሻ ዓሊ-ግድር ማሸላ ብምዝራእ ውድብ ብዘይ ሓደ ናይ ግዳም ሸመታን ሓገዝን፡ ናይ ሓደ ዓመት ስንቂ ተጋደልቲ ንኽኽእል ካብ ዝገበሩ ብጾት ሓደ እዩ። ድሕር‘ቲ ኣብ 1978  ዘጋጠመ ወተሃደራዊ  ምቕይያር ሓይሊ ሚዛን፡ ናይ ሕርሻ መጽናዕትታት ንምስልሳል  ንሳሕል ተመዲቡ።

ተስፋማርያም ድሕሪ እቲ ንዓመት ዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድን፣ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምቅይያርን፣ ምስ ስርዒት ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ደው ብምባል፣ ቃልሱ ቀጸለ። ኣብ 1985 ዓ.ም ምስታ ቅድሚኡ ናብ ስደት ዘምርሐት ስድራ-ቤቱ ንምጥርናፍ ድማ፡ ናብ ሃገር ጀርመን ኣተወ። ተስፋማርያም ንዝተለሞ ትልሚ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ብዝተዓደሎ ሓያል ድርኺት ኣብ ጀርመንውን ቃልሱ ቀጸለ። በቲ ዘርኣዮ ሓያል ኒሕን ሓቦን ድማ  ኣብ‘ቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊት ባይቶ ኣብ 1992 ዓ.ም ዝተኻየ ጉባኤ መሰረታት ጀርመን፡ ኣባል መርሕነት ዞባ ጀርመን ኰይኑ፣ ኣብ  ዲሞክራሲያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ክሳብ 2003 ዓ.ም ኣብ ምምራሕ ነይሩ፡፡

ከምኡውን ኣብ 2003 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ብዝሰዓበ ፖለቲካዊ ምቅይያር፡ ዳግማይ ስርርዕ ተገይሩ ኣብ ኣመራርሓ ጨንፈር ስዒቡ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ማሕብራውን ስርርዕ ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ኣብ 2019 ዓ.ም ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ተመሪጹ። ተስፋማርያም ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ናይ ዝተመደቦ ሽማግለታት ብኣቦ ወንበርነትን ኮነ ተራ ኣባልነት፣ ኣብ ምስንዳእ ፈስቲቫላትን ጉባኤ ውድብን ኣኼባታትን ከይተሓለለ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ህርኩትን ጻዕረኛን ተቓላሳይ ነይሩ።

ኣብ ስደት ሃገረ ጀርመን፡  ተስፋማርያም ኣብ ጀርመን ምስ ኣተወ እውን ንዝጸንሖ ትምህርቲ ንምምዕባል ኣብ ሕርሻዊ ዓውደ ትምህርቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ሞያዊ ትምህርቱ ቀጺሉ ኣብ 29.08.1990 ዓ.ም ብዳግማይ ዲፕሎም ተመሪቑ።

ተስፋማርያም ኣብቲ ኣብ ቱቢንገንን ከባቢኡን ተመስሪቱ ዝነበረ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ብምስታፍ ንኤርትራውያን ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ኣባላት ምንባሩን ብፍላይ ንህጻናት ቋንቋ ኣደ ንምትሓዝ ኣብ ምምሃር  ዝንኣድ ፍርያት ኣርእዩ።

 ካብ መወዳእታ 2014 ዓ.ም ክሳብ 2016 ዓ.ም ነቶም ሰሃራን ባሕርን ሰንጢቆም ዝመጹ ሓደስቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት‘ውን፣ ብውልቃዊ  ሕልንኡ ደሪኽዎ ብወለንታን ድሌትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምኽፋት ቋንቋ ጀርመን ኣብ ምምሃር ግዲኡ ኣበርኪቱ።

ጉዕዞ ምህናጽ ስድራ ቤት፡   ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣብ ዕለት 23.03.1981 ምስ ናይ ዕላማን ኪዳንን ብጸይቱ ተቓላሲት ሕርይቲ ተኪኤ ሓዳር ብምምስራት ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳት እዩ።

     1. ሮቤል ተስፋማርያም

     2. ሊድያ ተስፋማርያም

     3. ፈለግ ተስፋማርይም

     4. ሴም ተስፋማርያም ክኾኑ ከለዉ ሽዱሽተ ደቂ ደቁ ሓዲጉ።

ተስፋማርያም ኣብ ስድራ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ንደቁ ቋንቋ ኣደ ብምምሃር፡ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ኣብ ትምህርቶም ዕዉታት ንኽኾኑ ዝገበረ ወላዲ እዩ። ናይዚ መርእያ ቦኽሪ ወዶም ሮበል፡ ቋንቋ ኣደ ምምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ትምህርቲ ሃይማኖት ተኸታቲሉ ኣገልጋሊ ቤተ-ክህነት ክኸውን ምብቅዑ ሓደ ካብቲ ፍረ ጻዕሪ ወለዲ እዩ።

እንፈትዎን እነፍቅሮን ኣቦንናን ሓውናን ብጻይን ተስፋማርያም ቅድሚ ዕረፍቱ ናይቲ ፍትዉን ምቕሉልን ሕሳስ-ልደ ውላዶም ሴም ተስፋማርያ፣ ውላድ ሕጻን ኖህ ተስፋ ዝስሙ ተበሲሩ ሓሊፉ።

ንፈትዎን ነፍቅሮን ኣቦን ሓውን ብጻይን ተስፍማርያም ክብርእብ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሕቑፊ ብዓልቲ ቤቱን፣ ደቁን፣ የሕዋቱን ብዕለት 21.05.2024 ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዓሪፉ።

 ሎሚ ንነፍስሄር ተስፋማርያም ክብርኣብ ከነፋኑ ከለና፣ ግደ ናይታ ካብ ጎኑ ከይተፈልየት ጉዕዞ ቃልሲ ዝቐጸለት በዓልቲ ቃል-ኪዳኑ፣ ተቓላሲት ሕርይቲ ተኪኤ፣ ኣብ ጊዜ ሕማሙን ስቅያቱን ምስ ኩሎም ደቆም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቦም ለይቲ ምስ መዓልቲ፣ ኣምላኽ ብዝሃቦም ሓይሊ ዘድሊ ዘበለ ክንክን ከየጉደሉ ወላዲኦም ኣፋንዮም እዮም እሞ፣ ነዚ ኣብነታዊ ዝዀነ ስድራ-ቤታዊ ጥርናፈ፣ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ኣይንደል።

 ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡  መቕርብ፣ ቤተ ሰብ፣ የዕሩኽን ፈተውትን መቓልስቱን፣ ካብ ርሑቕን ቀረባን ንንፈትዎ ወላዲና ንምፍናው ዝመጻኹም፣ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ካብ ጎንና ከይተፈለኹም ንዘጻናናዕኩምናን እኽለ-ማይ ሒዝክን ንዝተመላለስክን ኣሓትን ብስም መላእ ስድራቤት ምስጋናና ይብጻሕኩም።

ክብረት ይሃብኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል።

ንኣቦናን ሓውናን ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡

መላእ ስድራ ቤት ተስፋማርያ ክብርኣብ፡