ሎሚ ዕለት 27 ግንቦት 2017 ጾመ ሮመዳን ዝጅምረሉ ዕለት ስለዝዀነ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዅሎም ኣስላም ዓለም ብሓበራ፡ ነስላም ኤርትራ ድማ ብፍላይ ሰናይ ምጅማር (ሮመዳን ከሪም) ይግበረለኩም ይብል።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

ኣብዛ ዘለናያ ሃገር ብ1974 መጺአ: ምኽንያት ንትምህርቲ ስነ ሃይማኖት። ውሽጣዊ ደፋኢ ረቛሒ ከኣ ፖለቲካዊ። ካብ መወዳእታ 1971 ክሳብ 1973 ብሕቡእ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንነጻነት ኤርትራ ይሳተፍ ዝለዝነበርኩ። መንቀሊየይ ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ሓፋሽ ውድባት ህግሓኤ ከም ተማሃራይን ሰራሕተኛን ኣብ ሽወደን ተወዲበ። ኣብ 1990 ብወግዒ ደስኩልኩም ክሳብ ንብሃል ካብ 1975 ዓም ከም ተራ ኣባልን ብሓላፍነትን ተሳቲፈ። ኣብ ፖለቲካ ሃገር ሽወደን ድማ ካብ 1986 ዓም ኣብ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ ተወዲበ ኣብ ኮሙናውን ኣውራጃውን ከም ተራ ኣባልን ኣብ መሪሒነትን ተዋሲአ። ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣባል ባይቶ ሸወደን ብምዃን ካብቶም ቀዳሞት ኣፍሪቃውያን ኮይነ ኣገልጊለ።

ሕጂ ኣብዚ ሃገር ሽወደን ን43 ዓመት ተቐሚጠ ኣለኹ። ድሕሪ ነጻነት ካብ 1992 ክሳብ 2001 ንኤርትራ ሓሙሸት ግዜ ተማላሊሰ። ድሕሪ ጠለብቲ ቁዋም በቲ ዕሉል ውልቀ መላኺ ምጥፋእ ግን ኣይከድኩን። ብድሕርዚ ኸኣ ኣብ ተቛውሞ ደምበ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲበ ንደምክራስን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ እሳተፍ ኣለኹ።

ኩሉና ከም እንፈልጦ ኤርትራ ድሕሪ ብስርዓት ህግደፍ ምግዝኣ ብኹሉ ወገና ማሲናያ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቅርጻ ብበይነኣዊ ግበታ ትምራሕ ኣላ። ኣብቲ ቁጠባዊ ሃለዋት እቲ መሰረታዊ ንህዝቢ ዘድሊ ሕጽረት መግብን ማይን ኣሎ። ብግቡእ ስራሕ ረኺብካ ንቡር ደሞዝ ብመዐቀኒ ሳልሳይ ዓለም የለን። ትምህርቲ ዝተፋላለየ ኮሎጃት ኣሎ ይብሃለናዩ ብህግደፍ። ኣብ ኮሎጃት ወዲኦም ዝተባህሉ ድማ ከናብሮም ብዝኽእል ደሞዝ ሰሪሖም ክነብሩን ሂወቶም ክመርሑን እይንርእን። ብኻልእ እንኮ ብሓገዝ ቫቲካን ዝተርሰርሐት ዩነቨርስቲ ኣስመራ ብህግደፍ ተዓጽያ፣ ቀንዲ ስራሕ መንግስቲ ህግደፍ መንእሰይ ናብ ሳዋ ወሲድካ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምምሃርን ኣብኡ ከም ዝኽወል ምግባርዩ። እዚውን ከም መበገሲኡስ ምዂንዩዩ ነይሩ። ንዓመትን ሾመንተ ወርሕን። እንተኾነ ብ1994 ቀዳማይ ዙርያ ምስ ተገብረ ብኡ ገይሮም መንእስያት ኤርትራ ብዘይ እፎይታን ደሞዝን ከም ዝባኹኑ ይግበር ኣሎ።እዚ ንሃገርውን ምርማስዩ። ሓይሊ መንእሰይ ዘይዋሳኣላ ሃገር ዕንወታ ሽዑዩ ዝግሃድ። ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳይ ከም ዝሰማዕናዮ ሓደ ውድብዩ ዘሎ። ክትእከብ: ክትውደብ: ርእይቶኻ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ክትዛረብ ኣይፍቀድን። ምስ ዓለም ዘሎ ዲፖሎማስያዊ ርክባት ምህሙንዩ። በቲ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ስነሓሳብን: ነብስና ንኽእል ኢና ብዝብል ናይ ትዕቢት ፖለቲካን: ኤርትራ ካብ ዓለም ንጽልትያ። ብሰሜን ክሮያ እያ እትምሰል። ፍልልየን ስሜን ኮሮያ ብወተሃደራውን ንክልዮራዊ መሳርያ ውግእን ንኤርትራ ትዓብያ ምዃናዩ። ኤርትራ ዓቕሚ ህዝባ ብግቡእ ሒዝካን ንቖልዑን መንእሰያትን ብግቡእ ትምህርትን ጽፉፍ ባህሊ ሃኒጽካን ንህዝቢ ብሰላምን ደሞክርያስያዊ ክብርን ሒዝካ ምዕባለ ክምጽእ ምኸኣለ። እዚ ግን ካብ ህገደፋውያን ከምዘይርክብ  ናይ 26 ዓመት ጽዩፍ ምምሕዳሮም ኣርእዩናዩ።

እዚ ዘስዓቦ ህዝቢ ብፍላይ መንእስያት ኤርትራ ሃገር ሽኦል ኮይናቶም ንቕድሚኦም ይስደዱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ሽግራት ኣነ ንዓኹም ክነግረኩም ኣይክእልንየ። ግን ድማ ኣቲ ናይ ላምበዱዛ ህልቂት ኣብነት ኩነታትንዩ። እቲ ሕሱር መራሒ ህግደፍ ንመቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ላምበዱዛ ናይ ገለ ኣፍሪቃውያን ሞት ኢሉ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ኣውርዩ። ባንደራታት ኢጣልያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንመዘከርትኦም ኣብ ፍርቂ ተሰቒለን። ህግደፋውያን ድማ ውርደቶም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክይቅላዕ: ዘለዎም ስልጣን ዕብጣ መድያ ተጠቒሞም ዛንታ ንጹሃት ቀቢሮም። ክሳብ ዘለው በዚ ነውሪዚ ተጎልቢቦም ክቕጽሉዮም።

ንስኻትኩምውን ናይ ከምዚ ዓይነት ግዳያት ኢኹም። ብኸመይ ጸገማትን ሽግራትን ሓሊፍኩም ናቱ ዝርዝራት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብዛ ተዛማዲ ሰላምን ህዝባዊ ሕጋዊ ኣገልድሎት ዘለዋ ሃገር ኣለኹም። እተን ቀዳሞት ሰለሰተ ዓመታት ኣብዚውን ጽንኩራትየን። ቋንቋ ሽወደን ምምሃር መጀመርያ ጠለብያ; ንመንባባሮኻ መፍትሕያ። ምስኡ ድማ ኣብ ሃገር ዘለው ወገናትካ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣብ ሽግር ገዲፍካዮም ከም ዝመጻእካ ስለ እትፈልጥ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ ይፈጥረልካ። ብፍላይ ደቅኻን በዓልቲ ቤትካን ወይ በዓል ቤትክን ደቅኽን ገዲፍካ ገዲፍኪ ቊሊሕ ዝብሎም ዘይብሎም ሽማግለታት ወለዲ ኣብ ቅድሚ ዓይናኻ ከም ሓወልቲ እናተራእዩኻ ኣብ ሽወደን ታተ ምባል፣ ሰብ ክእለት ደእ ይሃቦ እምበር ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን። ስኒ ምንካስን ንሒን ዘድልዮ ጉዕዞዩ።

ታሪኽ ኤርትራውያን ታሪኽ ቃልሲዩ። ደጊምሲ ዓለም እትምስክሮ መለለይና ኢዩ። ንኹሉ ዓንቃፊ ምምባር ብሰላም ኣንጻሩ ምቅላስ። ሰብ እንተደልዩን፡ጽቡቕ ድልየቱ ከማልእ እንተወሲኑን ክብጻሕ ዘይከኣል የለን። ግን ኩሉ ግዜ ምስ ዓቕምኻ ዝተዛመደ ምሕሳብ ኣገዳስዩ። ንስኻትኩም መብዛሕትኹም ንኣሽቱ መንእስያት ኢኹም ናይ ሃገርኩምን ህዝቡኹምን ተጋድልኡ ብዛንታ እትፈልጥዎ ይኸውን ንገለኹም። ሓደ ዓቢ ፍጻመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓወቱን ድማ ሃገራዊ ነጻነትዩ። ብመሪር ቃልስዩ ተረኺቡ። ኣሽሓት ዝተሰውኡሉ ሃገራዊ ነጻነት ብብረታዊ ቃልሲ። ሕጂ ብናተይ ርእይቶ እንገብሮ ቃልሲ ንምምሕያሽ ናብራን ሂወትን ብብልሓትን ኣርሒቕካ ምርእይን እንተወሲድናዮ፣ መጀመርያ ጡዑይ ኣካልን ኣእሙሮን ክህሉ ምቅላስ።  ሃወኽ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን ። መጺእካሉ ዘለኻ ሃገር ሕጉን ግቡእን ተገዚብካ መሰልካ ንምርካብን ከም ምሉእ ሰብ ትምዕብለሉ መገዲ ምሓዝ። ካብ ኩሉ ንኣካልን ኣእሙሮን ብሕማቕ ካብ ዘህልኽ ምጥንቓቕን ምርሓቕን። ኣልኮላዊ መስተን ካልኦት ዓይነት ድራግን ሽጋራውን። ስፖርት ወይ ድማ ሓፈሻዊ ምውስዋስ ኣካላት ምዝውታር ኣገዳስዩ። ኣእምሮ ከም ዝሰራዕካዮዩ ዝኸይድ። ጥዑይ ኣእምሮ ኣብ ጥዑይ ኣካላት ወሳኒዩ። ብሕጽር ዝበለ ጥዕና ዘለዎ ሂወት ዕውትዩ። እዚ እቲ ባዕልና እንውንኖ ጥዕናዊ ሂወትየ ዝዛረብ ዘለኹ። ተፈጥሮ ዘምጽኦ ሕማም እንተኾይኑ ኣብ ዝበለጸ ሕክምና ዘለዎ ሃገር ስለ ዘሎና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ቅድሚ ምሕማምና ንኽመጽእ ዝኽእል ሕማም፡ንምፍላጥውን ምናልባት ኢልካ ሕክምናዊ መርመራ ኣካላት ምግባር ጽቡቕዩ። ነዚውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ ኣብዚ ሃገር። ናይዚ ዓመትዚ ዝበለጻ ሃገራት ብሕክምና ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ሽወደን ራብዐቲያ። ስዊዘርላንድን ኣይስላንድን ሓንቲ ሕጂ ስማ ዝረሳዕኩዋን ጥራየን ዝቕድመኣ። ናይ ምሉእ ዓለም ሕክምናዊ ስታትስቲክዩ። ንምምባር ምችእቲ ካብ ዝኾና ሃገራት ከኣያ። ኣብ ዓስራይ መስርዕ ትርከብ ሽወደን።

ማሕበራዊ። ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ምንባር። ምስ ጎረበባትኻ: መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ብሓፈሸኡ ትነብረሉ ሕብረተ ሰብ። ካበይን መበቆሉን ብዝየገድስ ምስ ሰባት ብምክብባር ምንባር። ንእትረኽቦም ሰበ ስልጣናትን ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብኣገባብን ክብርን ምርኻቦም ኣገዳስዩ። ከምኡ ምግባር ተመሊሱ ዘኽብረካዩ። ከም ኮሚኒቲ/ማሕበረ ሰብ) ማለት ኤርትራውያን ከምቲ ጽፉፍ ባህላና ምትሕጋግዝን ምርድዳእን ኣገዳሲዩ። ነቲ ኽፉእ ዘይኮነስ ነቲ ጽቡቕ ብምውሳድየ። ወገናዊ ስምዒትን ብኡ ምንቅስቓስን ሃገራዊ ሰበብ ዘለዎዩ።  ብሃገራውን ህዝባውን ኮሚኒቲ ምሕሳብን ምስራሕን ጥዕናዩ። ንመጻኢት ደሞክርያሳዊት ህዝባዊት ሃገርና ጥዑይ ሰረትዩ።

ቁጠባዊ;- ኣቕድም ኣቢለ ከም ዝጠቐስክዎ ኣብዚ መዳይዚ ዝውጥጠና ጉዳያት ብዙሕዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኩሉ ክማላእ እንተሓሲብና ክንህሰ ኢና። እግሪ ምትካል ኣብ ስደት ብትዕግስቲ እምበር ብዓቕሊ ምጽባብ ኣይርከብንዩ።  መጀምርያ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር መፍትሕዩ ኢልና ነርና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝረአኽዎ ዜና ገለ 20 ዝኾኑ ሓካይም ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ከስርሖም ዝኽእል ክሉ ዓይነት ኣገባብ ሕክምና ቋንቋ ምስኡ ኣብ ሉንድ ዩንቨርስቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ተርሚን ከጣናቕቕዎ እዮም ዝብል ዜና ኣንቢበ። ዝተፋላለየ ሞያ ብመፍትሕ ቋንቋን ናይ መጺእካሉ ዘለኻ ሃገር ሕግን ባህልን ብምልላይ ኢኻ እትኣትዎ። ብድሕርዚ ምስ ክእለትካን ትምህርትኻን ሞያኻን ስራሕ ምርካብዩ። እዚውን ቃልሲ ዘድልዮዩ። ምስ ረኸብካዮ ድማ ናይ ሂወት ማዕርነት ኣብ ሕብረትሰ ሰብ ዝህብዩ። ስራሕ ምህላው ብነብስኻ ክትሓድር ዝገብር ኮይኑ ክብሪ ሂወትዩውንዩ። ኣብዚ ሃገር ኩሉ ዓይነት ስራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ኣለዎ። ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ሰሪሑ ዝነብር ሰብ ከኣ ብደርጃ ስርሑ ናቱ ክብሪ ኣለዎ።

ፖለቲካ: ኣብ ኤርትራ ናይ ምውዳብን ምእካብን ርእይቶኻ ምግላጽ መሰል የለን ኢለ ነይረ። ኣብዚ ዘለናዮ ሃገር ከኣ ናይ ምዕባለ መስርሕ ብውደባዩ ዝመጽእ ዝብል እምነትን ተግባርን ኣሎ።ኣብ  ሽወደን ከምናይ መጻኢ ሃገራዊ ዓወት ኢሎም ካብ ፈለማ ዝተገንዘብዎ ትምህርታዊ ትካል ብግቡእ ምውዳብዩ።። ሃገራውን ህዝባውን ምዕባለ ኸኣ መጺኡ። ሕጂ ነብሶም ኮይኖም ንኻልኦት ህዝብታት ይሕግዙ ኣለው። ምውዳብን ምጥርናፍን ናይ ሓባር ረብሓ ዝጥምት ዕላማን ክህሉ ጥዕናዩ። ዋላ ፖለትካዊ ሰልፊ ወይ ውድብ። ማለት ምስ ኣተሓሳስባኻን ድልየተይ የማልእዩ ትብሎን። ሞያዊ መሕበራት ከም ማሕበር ሰርሕተኛታት። ማሕበራት ከምዚ ሕጂ ተኣኪብናሉ ዘለና ናይ ወጻእተኛታት መሕበራት። እዚ እቲ ብእኩብ ንማሕበራውን ባህላውን መሰለን ዕብየትን እትገብሮ መሳርሒዩ። ተሞክሮይ ገሊጸልኩም ጸኒሐ። ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ሽወደን ብዓቕመይ ተኻፊለ። ኣብቲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝተኻየደ ቃልሲውን ዝኽእሎ እጃም ኣበርክተ። ንኽልትኡ ብውህደት ምሓዝዩ። ከም ዝከኣል ድማ ርእየዮን ተመኪረዮን። ሕጂውን ኣብ ሽማግልናይ ንኽልቲኡ ሒዘ እጒዓዝ ኣለኹ። ይከኣልድዩንድልየት ዘለዎስ መልሰይ እወዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ኣብ ኤርትራ ዘለው ወገናትና ተዘይቀሲኖም ንሕና ቅሳነት የብልናን። መሰረት ዕላማ ቃልስና ኸኣዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ነዛ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር ክትሕደስ ዘይኮነትስ ክትባድም ንርኢ ኣለና። ጸገምና ፖለቲካዊዩ ብፖለቲካውን ህዝባውን ውዳበ ኸኣዩ ዝፍታሕ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። እዚ ኣብ ከም ዘለናዮ ኩነት ነቑትና ዘሎ ስርዓት ክየልገሰ ሕሰምናን መከራናን ኣየብቅዕንዩ። ኣብዚ እጃምና ክነበርክት ዝግባእዩ። ካብ ተመክሮይ እዚ ኣብ ኣስመራ ስልጣን ሕዙ ዘሎ ስርዓት:  ብዘይ ተኻፈላነት ህዝቢ ኣይተዓወተን። ዋላኳ ሕጂ እቲ መላኺ: ምርጫን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክገብር ኩንትራት ዝሃበኒ ሰብ የለን ኢሉ እንተሓሰወ: እቲ ሕቅስ መገዱ ኣይስሕትንዩ።

እቲ ሽግር ብሰራም ሽርሒ ህግደፋውያንን ኣርሒቑ ዘይርኢ መሰረት ዘይብሉ ፍልልይ ተቛወምቲ ውድባትን: ህግደፍ ንዘለእለም ዝነብር ይመስሎ ይኸውን። ግን ብደገ ብዝመጽእ ሓይሊ ይኹን ብውሽጢ ሂትለር ተሳዒሩ። መንግስቱ ሃይለማርያም ተሳዒሩ። ብዓቢኡ ጃንሆይ ተሳዒርዩ። እቲ ናይ ኤርትራ መግዛእቲ ናብ ሃገራዊ ነጻነት ዝተቐየረ: መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ክንደይ ጨለታት ምንባሮም ብዘየገድስ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ ዓወት ኣይምመጸን። ነዚ ታሪኽዚ ኣብ ዝግብኦ መድረኽ ምድያብ ናይ ኩሉና ቃልስን ምትሕብባርን ወሳኒዩ። ምሉእ ቅሳነትን ክብርን ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ክሰፍን ምስ ሂወትና ኣተሓሒዝና ንስርሓሉ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን። ስደት ድማ ንሃገራዊ ጸገምና ፍታሕ ኣይኮነን። እቶም ፋሽሽታውያንሲ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” እናበሉዮም ዝሽሕጡ። እዞም ቀጠፍቲ ኣብዛ ሰላማዊትን ውቅብትን ከተማኹም የቶበርግ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣኼባ ኣካይዶም። ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኢሎም ከብቅዑ ኣብ ኣኼባኦም ክካፈሉ ንዝደለዩ ኤርትራውያን ምእታው ከልኪሎም: ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣምሲሎም ብፖሊስ ኣስጊጎም። እዚ ድዩ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ”። እዞም ሽቃጦ ንምትእኽካብ ስድራ: ፓስፖርት ንምሃብን ኣገልግሎት ንምርካብን ኣብ ዝሕተትሉ ኸኣ ምስ ዓቕሚ ሓደ ስደተኛ ዘይዛመድ ጠለብ ግብሪ ይጠልቡ። ነዚኦም ንዝብልዎን ዝህብዎን መመርሒ ብምእዛዝ ዘየኮነ: ዋላ ይምረር ብምቅዋሞም ኢና ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ንረክብ። መንግስትን ሰበስልጣናትን ሽወደን ዝገብርዎ ዘለው ታሪኻዊ ጌጋ ኸኣ ንርእዮ ኣለና። ካብ እንፈትዋ ሃገርና ብሰንኪ ምልካዊ ምምሕዳሮም(ምምሕዳር ህግደፍ) ንስደት ከም ንስጣሕ ገይሮሙና ከብቅዑ: ደድሕረናን ኣብ ዘለናዮ መጺኦምን ድላዮም ኣኼባታትን ጠለብን ክገበሩ ፍቓድ ምርካቦም ክልተ ዝተራጸመ መስርሕ ሰበ ስላጣናት ሽወደንዩ። ናይ ምውዳብን ምእካብን መሰል ሕጋዊ ምዃኑ እንግንዘቦዩ። ንሽወደናዊ ዜጋ ጋዘጠኛ ዳዊት እሳቕ ዝኣሰረን ዝሸመመን ስርዓተ ህግደፍ ከም ልቡ ክሕንብጥ ምግዳፍን ብገንዘብ ግብሪ ህዝቢ ሽወደን ብዝሕገዛ  ፍጥረታት ማሕበራት ህግደፍ: ዓይንኻ ዓሚትካ ሰባት ከነውሩን ንሽወደናውያን ኤርትራውያን ከባሳብሱን ዕሽሽ ምባል ግን: ምስ ሕጋዊ መሰል ምውዳብ ሽወደን ዝምድና የብሉን። በዝስ ታሪኽ ክኽስሶምዩ።

ህግደፍ ከም ድላዮም ክዋራዘዩ ኣኽኢልዎም ዘሎ ተወሳኺ ድኽመት ከኣ ብዙሓት እንቋዎሞም ከለና ብዘይ ግቡእ ምጥርናፍና ይላገጹልና ኣለው። መንግስቲ ሽወደንን ትካላቱንውን ሕብረትና ብዘይምርኣዮምዮም ዝዘርዩና ዘለው። ሽግርና ንምፍታሕ: ሕብረትና ብውድባዊ መልክዕ ነሐይሎ። እዛ መስርትኩማ ዘለኹም ማሕበር ክሉኹም ስርሑላ። ነዛ ሲቪካዊት ማሕበርዚኣ ንምምስራትን ንምምዕባልን ዝተሓጋገዙ ዘለው ብጾት ሽወደናውያን ንውህደታዊ ስርሖም ብግቡእ ኣቕልብሉ። ምሕዝነቶም ብምኽባር ብዓጸፋ ንልዙብ ምንባር ምስ ህዝቢ ሽወደን ብውህደታውን ሰላምውን ዕላማ ምርኣዩ ኣገዳስዩ። ህግደፋውያንን መሰለቶምን ብኹሉ ኣሎ ዝበሃል መናውራ ከዕንቅፍኹም ክፍትኑዮም። ንውሽጥን ንግዳምን እናጠመትና ንምብርዓኖም ንተዓጠቕ። እዚ ክከኣል ድማ ብጉልበትን በሊሕ ኣእምሮን በርቲዕና ብጽንዓት ንቕድሚት ንመርሽ። ናይ ሎሚ ሽግርና ንናይ ጽባሕ ትንሳኤና ክኣስሮ ዕድል ኣይንሃብ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ሓድነት ደሞክራስያውያን ይዓንብብ።

ረዘነ ተስፋጽዮን

25 ግንቦት 2017

ክቡራትን ክቡራንን

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመት ዘካየዶ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊት ጐበጣ ኢትዮጵያ ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ብምጽራግ፡ ኤርትራ ናጻ ኣውጺእዋ። ብ24 ግንቦት 1993 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ሪፈረንደም ድማ፡ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኰይና ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ረኸበት። እዚ ናጽነት’ዚ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኰነስ፡ ከቢድ ናይ ህይወት፡ ንብረት፡ ግዜ መስዋእቲ ብምኽፋል ኢዩ ተረጋጊጹ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣጋጣሚ መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቱ እናመሓላለፈ፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ስቓይን ዓፈናን ሃለዋት መሪር ሓዘኑን ጓሂሁን ይገልጽ።

 

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኣብ እንጽንብለሉ ዘለና እዋን፡ ህዝብና ብሰንኪ ስእነት ማይ፡ መብራህቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሕክምና፡ ስራሕ ይሳቐ ምህላዉ ዘይከሓድ ህዝብናን ዓለምናን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ናይ መጻኢ ዕድሎምን ተስፋኦምን ስለዝጸልመቶም፡ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዝፈትውዎ ህዝቦን ራሕሪሖም ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ድማ፡ ንሞት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓዛብን ይቃልዑ ኣለዉ። እቲ ህዝብና ዝልለየሎም ክብርታትን ባህልታትን ተደዊኖም፡ ስደተኛታትን ስኡናትን ዝብል ስም መጸዊዕናን ሕላገትናን ምዃኑ ከመይ ዘየሕዝን።

 

 

ስርዓት ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ፡ የመንን ጅቡትን ዝወልዖ ኵናት ገለ ክፋል ካብ መሬትና ክንስእን ገይሩና ኢዩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ማያትና፡ መሬትናን ሰማያትናን ነቶም ኣንጻር ሓይልታት ሖቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ብስዑድያ ዝምርሑ ሓይልታት ስለዘካረዮ፡ ሃገርና መዐንደሪ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኰይና ኣላ። ህዝብና ድማ፡ ኣብ ገዛእ ባሕሩ ከይገፍፍ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱን ማያቱን ድማ ከይንቀሳቐስ ተሓሪሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ ንሞት ክዳረግ ጀሚሩ ኣሎ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

 

እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ምብላዕ ዝለመደ ስርዓት፡ ሕጂ ከኣ፡ ጥሙር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምቁር ቃላት፡ ነተን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና ርሂጹን ደኺሙን ዘዋህለለን ናይ ወጻኢ ባጤራታት ንምምንዛዕ ከምባህቕ ይርአ ኣሎ።

 

ድሕሪ ፍሽለት መደባት ጥሙር ሕርሻ፡ ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ፡ ፎንድ፡ ብቸክ ምስራሕ ዝብል መፈንጠራ ምሕዳግ ገንዘብ ህዝቢ ክታለል ዝኽእል ሰብ ዝህሉ ኣይመስለናን። ኣብ ኤርትራ ገንዘበይ ኣብ ልምዓት ኣፍሲሰ ረብሓ ክረክብ’የ ኢሉ ዝሓስብ ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ እንተደኣሃልዩ ዝዓበደ ወይ ነገር ዘይጸገበ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ማዕድን ኤርትራ ተጓሕጕሖም ብወደብ ምጽዋዕ ንግዳም ክወጹ ይርኣዩ ኢዮም። ኣታዊታቶም ግን፡ ኣበይ ይውዕል ዝፈልጥ እቲ መላኺ ዘውዲ ዘይደፍአ ንጉስን መጋበርያታቱን ጥራሕ ኢዮም።

 

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስን ፖሊሲታቱን ሰላም፡ ልምዓት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ከምዘይትኽእል ዝሓለፍናዮ ናይ 26 ዓመታት ተመኵሮ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ብዘይካ ንስርዓት ኢሳያስን ፖሊሲታቱን ቀይርካ፡ ብቅዋም እትመሓደር፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈና ኤርትራ ምህናጽ ካልእ መተካእታ የለን።

 

ነዚ ክውን ንምግባር፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከቡ ንለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ነቲ ብሓባር ከስርሖም ዘይከኣለ፡ ኣሉታዊ ተመኵሮታት ካብ ምድጋም ወጺኦም፡ ለውጥን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ከረጋግጽ ዝኽእል ባይታ ክምድምዱ ወይ ከንጽፉ ይግባእ።

 

ነዚ ንምግባር ድማ፡ ክሳብ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ዜናውን ዕዮታት ክካየዱ ወይ ክሳለጡ ዘለዎም ሓባራዊ ዕማማትን ዕላማታትን ምስምማዕ ጥራሕ ኢዩ ዝሓትት።

                                                                  

ብዘይ ሃገር ክብሪ ይኹን ዲሞክራሲ ክረጋገጽ ስለዘይከኣል፡ ነዛ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናላ ሃገር ምሕላው፡ ንሰማእታትና ምኽባርን ንሓድነትና ዝፈታተኑ ሓይልታት ምብዳህን ሓላፍነትናን ግቡእናን ኢዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ከም ኵሎም ከምኡ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ምውዳቑን ምሕላፉን ኣይተርፎን ኢዩ። ድሮ’ኳ፡ ኣንፈታቱ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነባሪ ስለዝዀነ፡ ዓስቢ መስዋእቱን ቃልስታቱን ክረክብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና።

 

ጸላም ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክነግስ!!

መብጽዓና ንቓልሲ እንደገና ነሐድስ!!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና!!

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

24 ግንቦት 2017

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ግዜ የማን ጸጋም ዘይብል፡ ብናቱ ሕጊ ዝግዛእ መንገደኛ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ኣብ መበል 26 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና። ብሓፈሻዊ ተረድኦ ሓደ ተረኽቦ ዕድመ እንዳበለዐ ክኸይድ እንከሎ ማዕሪኡ ይዓብን ይስስንን። እቲ መስርሕ ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብቲ ጉዕዞ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ።

ናጽነት ኤርትራ ኣብ ናይ 26 ዓመት ዕድሚኡ ህያውነቱን ክብሩን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ፍሪኡ ግና ከምቲ ዝተነብረሉ ትጽቢት ኣዕንጋሊ ኣይኮነን። እኳደኣ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ራህዋ፡ ንሓንሳብ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንሓንሳብ ድማ ንድሕሪት ናብ ደልሃመት እንዳተጓዕዘ ሕጊግ ይብል እነሆ። ናይዚ ጠንቅን ተሓታትን ድማ እቲ ንናጽነት ካብ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ መንዚዑ ናይ ጸቢብ ክሊ መጣልዒ ገይርዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ካብ መግዛእትን ሕሰምን ከድሕኖ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ስለ ዝተኾልፎ ብሓፈሻ “ዘስካሕክሕ” ኢልካ ጠቒስካዮ ክትሓልፍ እምበር ክትዝርዝሮ ኣብ ዘጸግም ኩነታት ይነብር ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ወዮ ኮነ ኢሉ ዝትግብሮ ዘሎ ስለ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሓርነት፡ መሰል፡ ሰላምን ዕቤት ከምዘይምልስ ካብ ዘረጋግጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ብዓቕሚ ይኹን ብባህሪ፡ ናብቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምዕራፍ፡ ደሞክራሲ፡ ልዕልና ህዝቢ፡ ሰላምን ዕቤት ክስጉም ስለ ዘይክእል ንድሕሪት እንዳጠመተን ሕሩስ እንዳሓረሰን ኣብ ሕሉፍ መዋእልዩ ዝነብር ዘሎ።

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ምስቲ ዝሓለፈ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ከምዚ ዓመታዊ ዝኽሪ ናጽነት ኮይኑ ዝኣትዎ ግና ዘይትግብሮ መብጸዓታት’ውን የስምዕ እዩ። ብዛዕባ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ደጊኡ ጥዑይ ዝመስል ውሽጡ ግና ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ ሓረጋት ምቅላሕ እውን የዘውትር። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ግና ነቲ እንዳተዓሻሸኻን እንዳፈራራሕካን ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙ ጥራይ ዘንጸባርቕ እዩ።

ከምቲ ዝኾነ ተረኽቦ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዎ ኣብዚ እዋንዚ መወዳእታ ዕድመ ህግደፍ ይቀራረብ ከም ዘሎ ዘመልክቱ ተርእዮታት ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ጸንቂቑ እዩ። ዋልታን ሴፍን ኮይኑ ስልጣኑ ክሕልወሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ወተሃደር ኤርትራ ኢዱ የልዕል ኣሎ። ብዘይ ክፍሊትን ናይ ግዜ ደረትን ብጉልበቱ ካዝንኡ ክመልኣሉ ዝተጸበዮ መንእሰይ ከምቲ ዝደለዮ ኣይኮነሉን። ኣብቲ ውሱን ጉጅለኡ ድማ ረብሓን ምጥፍፋእን ዝወለዶ ምፍሕፋሕ ሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ወጻኢ ካብ ኤርትራ ደንበ ህግደፍ እንዳ ቆረረ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ይመውቕ ኣሎ። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ሓይልታት ግዳም ህግደፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዝነበሮም ትጽቢት ቅሂሙ እዩ።

ኩነታት ከምዚ ኣቐዲሙ እንዳሃለወ፡ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መከራ ብግቡእ ክርድኡ ዝተጸገሙ ወገናት ኣይተሳእኑን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናጻ ሃገር ስለ ዝወነና ኢና ኣብ ከምዚ ወዲቕና ዘለና። ንናጽነት ምቅላስና ጐዲኡና እምበር እንታይ ጠቒሙና። ዝኣመሰሉ ምድንጋር ዝወለዶም ሓሳባትን ዘይብሱል መፍትሕታትን በጨቕ ክብሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ተጠዓሲ ሓሳባት ዘንጸባርቑ ወገናት ሰኣን ምፍልጦም እንተኾይኑ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናብ ግቡእ ቦታኡ ዝምለስ እዩ። ኮነ ኢልካ ነቲ ብክቡር መስዋእትን መሪር ቃልስን ዝተረጋገጸ መበል 26 ዓመቱ ንዝክሮ ዘለና ናጽነት ኤርትራ ንምዕጻፍ ዝተማህዘ ተንኮል እንተኾይኑ ግና ምዉት ከተተንስእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እንተ ንሕና ናጽነትና ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ እንሕበነሉ’ዩ።

መበል 26 ዓመት ናጽነት ክንዝክር እንከለና ማእከላይ ጠመተና ሕሉፍ ምዝንታውን ህልዊ ጸገማትና ምዝርዛር ዘይኮነ “እሞኸ ካብዚ ንምውጻእ እንታይ ንግበር?” ናብ ዝብል ምምዕዳው እዩ። ጸገምና እንታይ ምዃኑ ብሩህ ስለ ዘሎ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና እውን ዝስወረና ኣይኮነን። እቲ ዝተርፍ እቲ ክንገብሮ ዝግበኣናን ንብህጎን ክንገብር ቅሩባት ክንከውን ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሎሚ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ቃልስና ድርብ እዩ። ምናልባት’ውን ድርብርብ። በቲ ሓደ ወገን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ በቲ ካልእ ድማ ኣንጻር ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተ ኣተሓሳስባና። እቲ ቀንድን ቀዳምነት ዝሕዝን ከኣ እቲ ድሑር ኣተሓሳስባና ስዒርና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና እንዕወተሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ዕማምዚ ብባህሪኡ ኮነ ብኣቀማምጣ ናይ ሓደ ኣካል ዘይኮነ ናይ ኩልና ኣብ ስዕረት እቲ ጉጅለ እምነትን ረብሓን ዘለና ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳትን እዩ።

እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ቃልሲ ምርግጋጽ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። እቲ ቀንዲ ፍረ ናጽነት ዝተነፍጎ ከኣ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ናይ ካለኦት ወገናት ኣበርክቶ ድሕሪ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣይተሓጐሰን ጥራይ ዘይኮነ ቅሒሩ እዩ። ኣባና ኣብቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሕጉስ ከምዘይኮነ ተኣሚንና፡ ህዝብና እምነቱ ኣባና ከም ዘሕድስ ክንገብር ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዕማም’ዩ። ስለዚ ኣብ መጻኢ ኩሉ ክኢልና ብሓባር ክንሰርሕ ክንበቅዕ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ናጽነት ቃልና ነሕድስ።

ናጽነትና ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ እንሕበነሉ’ዩ
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

24 ጉንበት 2017

Interview Melekin 22.05ኣቐዲመ በዚ ናይ መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝዝከረሉ ዕለት፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ብምባል ክጅምር እፈቱ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንኩሉ ጸገማቱ ስዒሩ ብሰላም ብልጽግናን ኩርዓትን ክነብር ክኽእል ዝለዓለ ትምኒተይ ኢዩ።

ንክፍሊ ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፥ ነዚ ቃለ መጠይቕ ንክምልሽ ኣብዛ ዓባይ ታሪኻዊት ዕለት ነዚ ዕድልዚ ምሃብኩም ክብሪ ይስምዓኒ፥ ኣዝየ ድማ የመስግን።

ንሓርነት፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ብኸመይ ትገልጾ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብንግሆኡ ንናጽነቱ ብዝምልከት ሓሳባቱ ክገልጽን ተወዲቡ ክቃለስን ዝተራእዬ ህዝቢ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ድሮ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ምንቅስቓሳት ተመሊስና ክንርኢ እንተኾና፡ እተን ኣቐዲመን ዝተፈጥራ ውድባት ምንባረን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰፊሕን ጽፉፍን ዝኾነ፡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፈ ዘጠቓለለ ውደባ ዘካየደ ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ (ሓርነታዊ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ) ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ስዒቡ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ንምጅማር ዝተወስደ ስጉምትን፣ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ወተሃደራት ተባዕ ውሳነታትን፣ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጥራይ ጎልጎል፡ ዝጠቅም ዓይነትን ብዝሕን ብረት ከይወነኑ ክንሶም ኣንጻር ሓደ ሓያል መንግስቲ (ኢትዮጵያ) ምብጋሶም ዘስተንክርን ዘኹርዕን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ነዞም ጀጋኑ ጀመርቲ ብረታዊ ቃልሲ፣ ንገሊኦም ዘርከብናሎምን ኣብ ጎድኖም ክንቃለስ ዕድል ዝረኸብናን፡ ክሳብ ክንደይ ሰብ ዓቢ ጅግንነትን ታሪኽን ምንባሮምን ምዃኖምን ከየስተማቐርና፤ ዝግብኦም ምስጋናን ሞጎስን ኣድናቖትን ከየስማዕናዮም ዝሓለፍና ብዙሓት ኢና። (ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ክንዲ ነሓስ ከም ዝበሃል)። ብወገነይ ሎሚ ክዝክሮ እንከለኹ፣ የጣዕሰኒ፡ የግሁየኒ፡ ክሳብ ክንደይ ብስለት ይጎድለኒ ከም ዝነበረ’ውን የዘኻኽረኒ። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ክዝክሮም ዝግባእ ታሪኻውያን ድማ ኢዮም። ብፍላይኣብ ከም ሎሚ፡ ዕለት ናጽነት፡ ንሳቶምን ኩሎም ድሕሪም ዝሰዓቡ ስዉኣትን ስንኩላትን ዝዝከሩሉ ዕለት ስለዝኾነ።

ህዝቢ ዘይሰዓቦን ዘይደገፎን ቃልሲ ክዕወት ዘይምኽኣሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሰውራ ተባሂሉ እውን ክስመ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ሜዳ ብረት ሒዙ ዝቃለስ ዝነበረ ኩሉ እውን ናይ ህዝቢ ደገፍን ተሳትፎን ምስማዕ ኣብ ቃልሱ ከም ነዳዲ (በንዚን) ዘንህሮን ዘሐይሎን ኢዩ ነይሩ ክብል እደፍር። ንተጋዳላይ ኣብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ተግባርን ዕላማን ንክጸንዕን፡ ብዝለዓለ ንክውፈን ዝገብሮ እውን ደገፍን ትጽቢትን ህዝቡ ኢዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንካብ ጸላኢ ክበጽሖ ዝኽእል ሓደጋታት እንዳፈለጠ፡ ንተጋደልቲ ዋላ ካብ ዘይብሉ መጊቡን ኩነታት ጸላኢ ሓቢሩን ኣብ ጊዜ ውግኣት ተደለይቲ ነገራት ኣብ ምቕባል ተሓባቢሩን፡ ከም ሚሊሻ ኮይኑ ናይ ቦትኡ ጸጥታ ሓልዩን ኣብ ውግኣት’ውን ተሳቲፉን፥ ገንዘቡን ንብረቱን ብምውፋይ ኣተባቢዑን ኢዩ ንቃልሱ ኣብ ዓወት ዘብጽሐ። ህዝቢ ኤርትራ፤ ጓልን ወድን፡ ንእሽቶን ዓብን ዝተሳተፎ፡ ንካብኡ ብዝተዓጻጸፈን ዝዓብዮን ዝሕይልን መንግስቲ ዝሰዓረ ሓደ ካብተን ኣብ ዓለም ዝድነቓ ሰውራታት ኮይኑ ኢዩ።

ንሓርነት፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ናጽነት መሪር ነይሩ ክንብል እንከለና፥ እቲ ምረቱ ብኸመይ ይግለጽ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ እወ፣ ብሓቂ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን መሪርን ኢዩ ነይሩ፤ ከም ስሙ ቃልሲ ስለዝኾነ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኤርትራዊ ቃልሲ ናቱ ባህርያትን ትሕዝቶታትን ስለዘለዎ ድማ ኢዩ። ሰውራታት ነናተን እወንታውን ከምኡውን ዘደናጒን ዝዕንቅፍን ኣሉታዊ ትሕዝቶታትን ክህልወን ይኽእል፡ ሰውራና”ውን ኣብ ዓወት ቅድሚ ምብጽሑ ናቱ ጸገማት ነይርዎ ኢዩ።

ብቐዳምነት እቲ ንኤርትራ ገዚኡ ዝነበረ መንግስቲ ብብዝሒ ህዝብን ብወተሃደራዊ ዓቕሙን ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃና ሓያላት ዝበሃሉ ዝነበሩ ሓደ ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ኣጀማምራ ሰውራ እውን ንገለ ኤሪትራውያን ዘይከኣል ዕማም ዝመስሎም ኮይኑ ይርኣዮም ከምዝነበረ ካብ ሃንደበታት ውልቀሰባት ዝወጽእ ዝነበረ ኢዩ። እዚ ግን ምስ ጊዜ፡ ብሓደ ሸነኽ ሳላ ዕዙዝ ዝኾነ ተሳፍነት ህዝብን ጅግንነትን መስዋእትን ፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ ሳላ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ንሰውራ ዝምችእ ኩነታት ምፍጣሩን፡ ክሕለፍን ኣብ ዓወት ክብፅጻሕን ተኻኢሉ ኢዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ጨካንን ግፍዓውን ተግባራት ይፍጸም ብምንባሩ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዓድታቶምን ሃገሮምን ርሒቖም ክነብሩን ክብሪ ዘይብሉ ናብራ ከሕሉፍን ተገዲዶም ኢዮም። ብፍላይ ኣብ ሱዳን ካብ ፍርቂ ሚልዮን ንላዕሊ ኤርትራውያን ተሰዲዶም ከም ዝነብሩ (ገሊኣቶም ጌና ሕጂውን ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመለሱ) ይፍለጥ።

ናይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምእታው፡ ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ኣህጉራውያን ሓያላት መንግስትታት ኢደን ዘእተዋሉ ብምንባሩ፡ ንጥርዓን ኤርትራውያን ይኹን ንቃልሲ መደንፍዒ ሓገዝ ንምርካብ ዝድግፍ ወይ’ውን ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ድማ ኤርትራ ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣካል ናይ ቃልሶም ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩን፡ ኣንጻር’ቶም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንክትቁረን ዝገበሩን ሃገራት ይቃለሱ ዝነበሩን ገለ ሃገራት ኣዕራብ ሓገዝን ደገፍን ክርከብ ተኻእለ። ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ብፍላይ ብብረታዊ ዓቕሚ ድልየታቱ ከማልእን ኣድማዒ ስርሒታት ከካይድን ሓጊዝዎ ኢዩ። እንተ ዕላዊ ደገፍ ሓያላት ሃገራት ክሳብቲ ሃገርና ናጻ ዝኾነትሉ ሰዓት ብኹር ኢዩ ነይሩ፡ እዚውን ሓደ ካብቶም ንናጽነት ዘደናጎየን፡ ዝያዳ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝወርድ ዝገበርን ኢዩ ኢልካ ኣብ ጸብጻብ ተእትዎ ሓቂ ኢዩ።

ህዝቢ አርትራ ብቋንቋታቱ፡ ባህልታቱን ልማዳቱን ዓለታቱን እምነታቱን ብዝሒ ዘለዎ ሃብታም ሕብረተሰብ ኢዩ። ብሓባር ኣብ ትሕቲ ባዕድነት ዝነበረን፡ ብሓባር ሃገር ዝሃነጸን ናይ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ዘማዕበለን ህዝቢ ኢዩ። ኮይኑ ግን እዚ ተውህቦታት’ዚ ብጸላእትን ብውሽጣዊ ናይ ስልጣን ተወዳደርትን፣ ከም መሳርሒ መፈላለይን ናይ ሕድሕድ መጠራጥሪን ኮይኑ ክስረሓሉ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ንኣብነት ኣብቲ ቅድሚ ፈደረሽን ዝነበረ ምንቅስቓሳት፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሜላ ንሃይማኖት ዘመልክት ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ጊዜ ሰውራ እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናይ ሃይማኖት ናይ ኣውራጃታት ከምኡውን ቋንቋታት ሽግራት በለቕ ይብል ምንባሩን፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኣሰራት ምግዳፉን ግሁድ ኢዩ። እዚውን ብወገኑ ንጥርኑፍ ቃልሲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከብቅዕ ከም ውጽኢቱ ውድባት ሰውራ ኤርትራ ንክበዝሓ ካብ ዝገበረ ምኽንያታት ሓደ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ እቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ፡ ግን ድማ ኣብ ጸገማት ሰውራ ዓቢ እጃም ክህልዎ ዝኽል ክዝከር ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ላዕሊ ነቲ ብግሉጽ ዝርአ ዝነበረ መርገጽ ሓያላን መንግስታት ጠቒሰ ነይረ፡ ኮይኑ ግን ብምስጢር ምስ (ናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ) ጸላእትን ምስ ገለ ካብ ሓያላን መንግስታትን ዝግበር ዝነበረ ርክባት፡ ኣብ ኤርትራ ብዝኾነ ይኹን መንግድን ሜላን ሰላምን ሓቢርካ ምስራሕን ሓድነትን ከምዘይህሉ ገይርዎ ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ምጥቃስ’ውን ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ሓንቲ ብናይ ስትራተጂ ዓለም (መጎዓዓዝያ፡ ንግዲ፡ ውግእ) ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዞና ኢያ ኤርትራና እትርከብ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ሓይልን ሃብትን ኣለኒ ዝብል መንግስቲ ኣብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ከተኩር ግድነት ስለዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ከተኩር ግድነት ኢዩ፡ ንቃልስና ከንውሕዎን ከምርርዎን ካብ ዝኸኣሉ ኣገደስቲ ረቛሕቲ ድማ ኢዩ ነይሩ። ንዓና ንኤሪትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ዞናና ዘይህዱእ ዝገብር ጉዳይ ኢዩ።

ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘናውሑ ቀንዲ ረቛሕቲ እቲ እናሻዕ ዝተርእየ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን፡ ሓቢርካ ኣንጻር ጸላኢኻ ምምካት ስለዘይተኽእለ ኢዩ ነይሩ። እዚ ጸገም’ዚ ሕጂውን 26 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ዓይኒ ንዘለዎ ብሩህ ኢዩ። ምፍንጫላትን ሃገሮም ናጻ ንምውጻእ ዕላምኦም ዝነበረ ብዙሓት ንጹሃት ተጋደልቲ ዘጥፍአ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን እንተዘይነብር፣ ኤርትራ ካብቲ ናጻ ዝወጸትሉ ዓመት ኣዝዩ ኣቐዲሙ ናጻ ንክትወጽእ፣ ብርእይቶይ ሰለስተ ጊዜ ዝኸውን ዕድላት ሓሊፍዋ ኢዩ (1975, 1977, 1980).

ኣብዛ ዕለት ክንዝክሮ ዝግብኣና፣ እቲ ኩሉ ብሰንኪ መግዛኣትን፡ ባዕላትና ከም ኤርትራውያን ብዝወሰድናዮ ግጉይ ናይ ፍታሓት ኣገብባትን ዝጠፍአ ህይወታትን ዝበረሰ ንብረታትን ፋሕ ብትን ዝኣትዎ ስድራቤታትን፣ ድሒሩ እውን ብሰንኪ ምልካዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዕታትን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ- ማእሰርቲ ተኣኲቶም ዘለዉ ናይ መሰል ደቂ ሰብ ተማጐትን ካልኦት ንጹሃት ደቂ ሃገርን ኢዮም። ከምኡውን ንኩሉ ኤሪትራዊ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ፍትሕን ምዕማለን ንክርኢ ኢድንኢድ ተተሓሒዙ ብምቅላስ ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከሕጽር መጸዋዕታ ክቐርበሉ ዝመችአ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ንሓርነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ናጽነት ተጠቃሚ ኣይኮነን እንብል እንታይ ስለ ዝጎደሎ ኢዩ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ኤርትራ ሳላ ባዕድነት፣ ርእሰማላዊ ኣገባብን ስርዓትን ኣፈራርያ ማእቶትን ኣቕድም ኣቢሉ ዝኣተዋ ሃገር ኢያ። ኣብ ጊዜ መግዛኣቲ ጥልያን ኣብያተ ዕዮ ኣስፋሕፊሑ ነበረ፡ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ብዙሕ ኢደ ጥበባዊ ስርሓትን ተክኒክን ክምዕብሉን ገለ እውን ናይ ውልቆም ትካላት ዘቖሙ ነበሩ። ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ጀሚሩ ዝነበረ ርእሰማላዊ ግስጋሰ ቆጽዩዎ ኢዩ፡ ኩሉ ኣተኩሮ ኣብ ኢትቶጵያ እዩ ኮይኑ’ኳ እንተተባህለ፡ ሰራሕተኛታትን ክኢላታትን ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ብምስጋር ኣብ ምዕባለ ናይታ ሃገር ዓቢይ ኣጃም ኣብርኪቶም ኢዮም። ኣብ ብዙሕ መዳያት ድማ ዕዉታት ኮይኖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ኮይኑ ግን ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዓዲ ጓና ዘጥረይዎ ሃብትን ንብረትን ኣብ ሃገሮም ክኸውን ትምኒቶም ብምንባሩ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተሳተፉን ዝሓገዙን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ኤርትራውያን ልቦምን ቀልቦምን ምስ ኤርትራ ኮነ፣ ካብ ናይ ገዝእ ርእሶም ጥቕሚ : ብዝያዳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ትካል ከፊትካ ኣብ ምዕባለኣ ግደኻ ምልዓልን፡ ከም ክብርን ምስጋናን ነቶም ዝተሰውኡን ብጅግንነት ናጻ ዘውጽኡን ዝሓሰቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ውጽኢቱ ግን ነዞም ሃገራውያን ገንዘቦምን ሕልንኦምን ኣብሪስካ ናብ ዘዝመጽዎ ከምዝምለሱ ምግባር ኢዩ ነይሩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ስልጣን ጽልዋ ከምዝህልዎ ኣጸቢቑ ዝርዳእ መላኺ፡ ነቶም ናይ ምዕባለ ርእሰ ኲናት ዝኾኑ ሃገራውያን ርእሰማላውያን ኩሉ መንገዲታትን ኣኽእሎታትን ዓጸወሎም። ኩሉ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣተወ፡ ወላውን ደቂ ሰባት ንብረት መንግስቲ ኮኑ። ውጽኢቱ ድማ ብዘይ ኣገልጋልን ጊላን መንግስቲ ምዃን ጥዑይ ስራሕን ደመወዝን እትረኽበሉን ብሕታዊ ትካላት ዘይብሉ፡ ኣብ ናይ ድኽነት ዕንክሊል ተኣትወ። ነቲ ብባህርያቱ ኣንጻር መንግስቲ ክለዓል ትጽቢት ዝግበረሉ ተመሃራይን ሰራሕተኛን ካብ ከባቢ ርእሰ ከተማ (ኣስመራ) ብምርሓቕ ኣብ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ዘይክእለሉ ስፍራታት ፋሕ ኣበሎ። ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ናይ መንፈስ ትሕትነት ከምኡ’ውን ናይ ናጻ ስራሕ ምድላይን ምፍጣርን ንታሕቲ ዘንቆልቁል ኮይኑ ንረኽቦ።

ኤርትራዊ ጻማ ቃልሲ ኣይረኸበን። መጀመርታ ብቃልሱ፣ ድሕሪ ምምጻእ ናጽነት ድማ ንኣዋርሕ ዘየቋርጽ ፈስታታት ዝገበረ፡ ዘመስገነ፡ ዝተመባጽዐ ኣብ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነታ ዕለት ናጽነት ሎሚ ብኸመይ ከምዝገልጻ ምስማዕ ኣገዳሲ ምኾነ። ነዚ መበልየይ፡ ናጽነት ኣለኒ ንክትብል ናጽነት ክስመዓካን ክህልወካን ስለዘለዎ። ብዝተረፈ ናጽነት ባዕሉ ዘጽግበካን ዝኸድነካን ስድራኻ ዝኣልየልካን ቃል ስለዘይኮነ። ህዝቢ ኤርትራ ንዝገብሮ ኩሉ ተኣማሚኑ ንከይገብር፡ ዝምርሓሉን ዝውከሰሉን ንገዛእ ርእሱ ውሕስነት ተሰሚዕዎ ንክምዕብል ክነብርን ዘተኣማምን ሃገራዊ ቅዋም የብሉን። ዝደልዮምን ድልየታቱ ከማልእሉ ዝጽበዮምን መራሕቲ ከይመርጸ እነሆ ሎሚ መበል 26 ዓመቱ መሊኡ። ከምቲ ልሙድ ደቁ ሓቚፉን ምሂሩን ኣምሂሩን ኣብ ዝብጻሕ ደረጃ ከየብጽሕን ብደቁ ተሓጊዙ ናብርኡ ከየመሓይሽን፡ ደቁ ንብረት መንግስቲ ኮይኖም፡ ኣተሓሳስባ መንግስቲ ተማሂሮም ፍረ ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ዝኸፍአ ድማ መንእሰያት ብኣንጸርጽሮት፡ ዘጋጥመ የጋጥመና ብምባል ካብ ሃገር ክጠፍኡን ክስደዱን ብመከራን ስቓይን ሓሊፎም (ዕድለኛታት ምስ ዝኾኑ) ኣብ ፈቐዶ ሃገር ፋሕ ምባሎም ኢዩ። ኩነታት ህዝብና ከመይ ከምዝመስል ድማ በዚ ዝተጠቕሰ ክንግምት ንኽእል።

ንሓርነት፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ ናጽነት፥ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግድፍን ብኸመይ ትገልጾ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ህግድፍ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሰልፊ ስለዘይኮነ ምስ ህዝቢ ክህልዎ ዝኽእል ዝምድና ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን፡ ረጋጽን ተረጋጽን ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ብህዝቢ ክፍቶን ካብ ህዝቢ ደገፍ ክረክብን ድማ ዘይግመት ኢዩ። ህዝቢ ብጭካኔ ህግድፍ ስለ ዝረዓደ፡ ምቅዋም ገዲፍና፡ ድልየቱ ክዛረብ ኣብዘይክእለሉ ደረጃ ኢዩ ዝርከብ። ውጽኢት ናይ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ድማ እዚ ወግሐ ጸብሐ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ዘስካሕክሕ ጉዕዞ ስደት ኢዩ። ብዝሒ ስደተይና ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ክኸውን እንከሎ፡ ዓለም ከይተረፈ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ክሰርዖ ከም ዝጸንሐ ኣብ ማዕከናት ዜና ንሰምዖ ዘለና ኢዩ።

ሃገር ናጻ ምውጻእ ማለት ንሃገርካ ኣብ ካርታ ዓለም ተሳኢላ ምርኣይ ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ፡ ህዝቢ ሕገመንግስቱ ኣቚሙ ካብ ደቂ ሃገሩ (ባዕሉ) ሃገሩ ክመርሕ፡ ደቁ ክምህር፡ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክረክብ፡ ሃገሩ ከማዕብልን ፍርያት ሃገሩ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ክወዳደርን፡ ርእሰማሉ ተጠቒሙ ትካላት ክምስርት፡ ብሰላም ስራሑ ሰሪሑ ገዝኡ ክኣቱ፡ ሓሳባቱ ክዛረብን ክጽሕፍን፡ ምስ ዓለምን ጎረባብቱን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዓትን ብምኽባር ብምክብባር ክነብርን፡ ብዘይዕንቅፋት ካብ ዓዲ ክወጽእን ናብ ዓዱ ክምለስን …. ወዘተ ገለ ካብ መስረታውያን ቅድመኩነታት ኢየን።

ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ፤

26 ዓመታት ናይ ውግእ ሃዋህው ዘንጸላለዋ
26 ዓመታት ሕገ መንግስቲ (መንግስታዊ ቅዋም) ዘይብላ
26 ዓመታት ህዝቢ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲ ከይረኣየን ዝደልዮ መራሒ ወይ ሰልፊ ከይመረጸ
26 ዓመታት መን ተኣስረ መን ተቐትለ ጥራሕ ትሰምዓሉ፡ ዝተኣስረ ምህላዉን ምማቱን ዘይፍለጠሉ፣ እሱር ዘይብጸሓሉ
26 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ንምንጻል ብዝካየድ ንተቓወምትን ጎረባብትን ዘጸልም ፕሮፓጋንዳታት ንህዝቢ ዘጽመመ
26 ዓመታት ንክእለታት፡ ርእሰማላትን ብቕዓታትን ኤርትርውያን ዓጊቱ ባዕሉ ንኩሉ ዝወነነ መንግስቲ
26 ዓመታት ሕቶ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ከም ማይን አለክትሪሲቲን (መብራህትን) ዘይፈትሐ መንግስቲ
26 ዓመታት ጥዑይ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዘይብሉ፥ ኤርትራዊ ኣብ ጎረበት ሃገር ከይዱ ጥዑይ ሕክምና ዘናድየሉ ኮይና ኣላ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፥ ህዝቢ ብሰንኪ ምርዓዱ ክቃወምን “ሃህ” ኢሉ ክዛረብን`ኳ ዕድል እንተዘይረኸበ፥ ንምልካዊ ስርዓት ብመርገጽ ክቃወሞ ባህርያዊ ኢዩ።

ንሓርነት፡ ኣፍና መሊእና ”ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ፍትሓዊ፥ መስዋእትነት ጀጋኑና ከኣ ክቡር ነይሩን ኢዩን” ከብሉና ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ንኣብነት እንታይ ትጠቅስ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ቃልሲ፡ ስለ ቃልሲ ትቃለሶ ዘይኮነስ መበገሲ ምኽንያት ዘለዎ ከምዝኾነ ዝጠፍኦ ዘሎ ኣይመስለንን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፖለቲካዊ ይኹን ብረታዊ ቃልስታት ከካይድ እንከሎ: ብቑዕ መበገሲ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ንክቃለስ ዘገደዶ ድማ ብቐዳምነት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ዳርጋ ን60 ዓመታት ዝኣክል ድሕሪ ምጽንሓ፡ ጥልያን ብእንግሊዝ ተሳዒሩ ከብቅዕ፡ ኢትዮጵያ ናጽነታ ክትረክብ እንከላ፡ ኤርትራ ግን ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ ን10 ዓመታት ክትካየድ ዝተገብረ ውሳነ፡ ሓደን ቀዳማይን ንጉዳይ ኤርትራ ሓንኳል መገዲ ከም ዝሕዝ ዝገበረ ውሳነ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ይግብኣ ነይሩ። መንቀሊ ናይ’ዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲኣ ናይ ምእታው ጠለባትን፣ ናይ’ቶም ምስኣ ጽኑዕ ምሕዝነት ፈጢሮም ዝነበሩ ሓያላን ምዕራባውያን ሃገራት ንኢትዮጵያ ብምድጋፍ ድልየታቶም ከረጋግጹ ዝነበሮም ትምኒታትን ነበረ።

ኣስዒቡ ድማ ንኤርትራ ኣብ ሞንጎ ናፅነትን ምስ ኢትዮጵያ ”ምጽንባርን” ዝብል፡ ንጉዳይን መሰልን ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዘይግባእ ዕንክሊል ዘእቱ መስርሕ ተኣትወ። ንኤርትራውያን ብዓሌትን ሃይማኖትን ንምክፍፋል ዝተገብረ ጻዕርታት እውን ገለ ኣሉታዊ ኣሰራት ከምዝገድፍ ኮይኑ ኢዩ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ፖለቲካ ድራማታት ድማ፡ ኤርትራ ን10 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ዝብል፡ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ዝቖመ ፈደረሽን ብምእላም ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሰኑ። ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ዝቖመ ፈደረሽን ክብል ከለኹ ድማ፡ በቲ ልሙድ ናይ ክልተ ርእሰን ዝኸኣላ ሃገራት ዝግበር ፈደረሽናዊ ስምምዕ፣ ብካብ ክልቲኣተን ዝተወከሉ ፈደራላዊ ላዕለዋይ መንግስቲ ድማ ክምርሓ ኢዩ ዝግባእ ዝነበረ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ብሃፀይ ሃይለሰላሰ ንበይኑ ዝቖመን ዝምራሕን ከም ዝኸውን ተገብረ። እዚውን ካልእ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝተኣልመ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብምርጫኡ (ብሪፈረንደም) ናጽነቱ ክረጋግጽ ዕድል’ኳ እንተነበሮ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣቐዲሙ ንክዕንቅጾ ኣብ ቅድድም ኣተወ፡ ክሳብ ንባንደራ ኤርትራ ኣቐዲሙ ብምውራድ ብባንደራ ኢትዮጵያ ናይ ምትካእ ስጉምቲ ወሰደ፡ ጦር ሰራውት ኢትዮጵያ ድማ ናብ ኤርትራ ኣተዉ ። እዚ ካብ ”ወራር” ሓሊፉ ካልእ ቃል ዝርከበሉ ኣይነበረን።

ብካልእ ሸነኽ ድማ፡ እቶም ንመደባትን ስጉምትታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረድኡ ኤርትራውያን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ተቓውሞታትን ናይ ቃልሲ ምድላዋትን ኣካየዱ። ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ተመሃሮን ሰራሕተንያታትን ግሁድ ተቓውሞታት ኣርእዮምን ተኣሲሮምን ተገሪፎምን ተሰዊኦምሉ ኢዮም። ካልኦት ድማ ውድባት ኣብ ምምስራትን ህዝቢ ኣብ ምስራዕን ተዋፈሩ፡ ብረታዊ ቃልሲ እውን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ኢትዮጵያ ምዃና ቅድሚ ምእዋጃ ኢዩ ጀሚሩ።

ካብዚ ሓጺር መስርሕ ክንመዝን ኣንተኾንና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት ሓደ ኣትሒዙ ብቑዕ ምኽንያትን መበገሲን ዝነበሮ፣ ንመሰሉን ንስለፍትሕን ንናቱ ናጻ ድልየት፡ ናጽነት ኤርትራ፡ ምንባሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ። ንናጽነቱ ክቃለስ ከሎ ድማ፡ ባዕሉ ሃገሩ ክመርሕን መሰሉ ተሓልዩሉ ሃገሩ ኣማዕቢሉ ብጽቡቕን ኮሪዑን ክነብር ድኣ’ምበር፣ ዓላማ ዘይብሉ ቃልሲ ከምዘይነበረ ኣበጋግሳኡን ዘካየዶ ዕቱብ ቃልስን ዝምስክረሉ ኢዩ።

ኣብ ጉዕዞ ካብ 40ታት ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ኤርትራውያን ተገፊዖምን ተሰዊኦምን ኢዮም። ናይ ጸላኢ ግፍዕን ጨካን ናይ ቅትለት ተግባራትን ንኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ዘርዕዶምን ካብ ቃልሲ ዘብኩሮምን፣ ብኣንጻሩ ኣብ ቃልሲ ክጽንበሩን ንቃልሲ ከደንፍዑን ክሳተፉን ኢዩ ደፋፊኡዎም። ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተራእየ ናይ ሰራዊት ይኹን ናይ ውልቀ ተጋደልቲ ዓወታትን ጅግንነትን ኣብ ምድንፋዕ ቃልስን ምድኻም ጸላኢን ዓቢ ግደ ዝነበሮ ኢዩ።

ካብቲ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ኣንጻር ይካየድ ዝነበረ ናይ ጎበጣ ተግባራት ዝተቓወሙሉን ብሰንኩ ድማ ዝተኣስሩሉን ዝተገፍዑሉን ካብ ሃገሮም ከምዝርሕቁ ዝኾኑሉን ጊዜታት ኣትሒዝና፥ ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ አርትራ ክንዝክር እንትኾንና፥ ኣውዒሉ ዘሕድር መስተንክራት ዝሓዘ ታሪኽ ኢዩ ነይሩ ክብል እየ ዝኽእል። ኣብ ታሪኽ እቲ ጸላኢ ብናቱ ሰራዊት ኣንጻር ሰውራ ዝተበገሰሉ ቀዳማይን ታሪኻውን ውግእ፥ ውግእ ተጎርባ´ኳ አንተኾነን: ክዝከር እውን ዝግብኦ ምዃኑ እናስመርኩሉ፥ ድሕሪኡ ብዓቐንን ዓይነትን ዝዓዘዘ ናይ መኸተ ስርሒታትን ታሪኻውያን ውግኣትን እናተኻየደ ኢዩ ናብ ዓወት ተበጺሑ። ኩሉ ድማ ነቲ ብሽርክነትን ብተንኮልን ዝተመንዝዐ መሰሉን ናጽነቱን ንክመልስ ዘካየዶ ቃልሲ ፍትሓዊ ኢዩ ነይሩ።

ንሓርነት፡ ብሰንኪ ስሱዕ ኣካይዳ ጉጅለ ህግድፍ፥ መንእሰያት፥ ኣፍልተኦም ብዛዕባ ቃልስና ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ናጽነት ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። መንእሰያት ካብዚ ዝንቡል ኣረዳድኣ ወጺኦም ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ክፈልጡ ክኽእሉ እንታይ ትመኽሮም?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ እዚ ሎሚ ንህዝቢ አርትራ ኣብ ልዕሊኡ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፤ ”ብሰንኪ ስሰዐ ስልጣን ኢዩ” ኢልካ ዝሕለፍ ጥራይ ኣይኮነን። ብዙሕ ንሓቅታት ናይዚ ሽግር ዝሕብሩ ሓበረታትት ክወሃብ ጸኒሑ ኢዩ፥ ኮይኑ ግን ምስ ጊዜ ዳርጋ ከም ቤላ ቤለው ኮይኑ ዝተሓልፈ ይመስል። እቲ ጸገም ድማ ንሱ ኢዩ። ብመሰረቱ ነዚ ንአርትራ ዝመርሕ ዘሎ መላኺ ካብ ኣበጋግሳኡ ክምዘን ይግባእ። ካብ ጭቡጥ ሓበረታታትን ካብ ምስቲ ሓበረታታት ዝሰማማዕ ኣካይዳን ኣመራርሓን ስጉምትታቱን ድማ ንዕላማ ናይ ሎሚ መራሒ አርትራ ክብጻሕን ኣብኡ ዝተመስረተ ቃልስን ወፈራን ክካየድን፥ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ክርድኦን ክኣምነሉን ዝግባእ ኢዩ።

ናይ ሎሚ መራሒ መንግስቲ አርትራ፥ ገና ተፈንጪሉ ምስ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ተጋደልቲ እንከሎ ”ጀብሃ ክትጠፍእ ኢያ” ዝበለን ብሰንኩ ድማ ብሓያሎይ ግሩሃት አርትራውያን ከም ነብይ ዝተቖጽረ ኢዩ፤ ናይ መጀመርታ ብሓንጎል አርትራውያን ዝተጻወተላ እዋን ኮይና ድማ ትስመዓኒ። እስከ ንሕሰብ፥ በቲ ዝነበሮ ዓቕሚ ከመይ ገሩ ናይ ጀብሃ ምጥፋእ ነብዪ ክኸውን ከኣለ፥ መጀመርታ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ዕሸል ውድቡ ኢዩ ከገድሶ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ግን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ተባሂሉ። እስከ ነዘን ንጥብታት ንርኣየን። ኩለን ድማ ዝተገብራን ዝተባህላን ኢየን።

1. ምስ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ አርትራውያን ተመሃሮ ማሕበር (ጉጅለ) ኣቦ መንበር ዝነበረ ወልደየሱስ ዓማር፥ ኢሳያስ "ወዲ ዓማር ተታሊልካ፡ ኣይተታልለና፣ ብጀብሃ ዝካየድ ዘሎ ጅሃድ ኢዩ..." ይብል ከምዝነበረ ይጠቅስ። ኢሳያስ ከምዚ ዝበለ ኣብ ከባቢ ወርሒ 4/1966 እዩ። ድሕሪ ከምዚ ምባሉ 6 ኣዋርሕ ጸኒሑ ከኣ ናብ ሜዳ ከይዱ።
2. ኢሳያስ ንሜዳ ከይዱ ምስ ሰምዐ፥ መምህር ስዉእ ሚኪአል ጋብር ናብ ተጋድሎ ሓርነት ”ኢሳያስ ወይ……………ወይ ድማ ክፍንጨል ኢዩ” ዝብል መልእኽቲ ምምሕልላፉ።
3. ብስዉእ ተስፋሚካአል ጆርጆ ኣቢሉ ምስ ኣብ ቃኘው ስቴሽን ዝነበሩ ኣመሪካውያን ከም እተራኸበ። ኣነ ኣብ ሜዳ ካብ ኣፍ ወዲ ጆርጆ ዝሰማዕኩዎ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ኢሳያስ ንኣመሪካውያን ብምኽሳስ ዘረብኡ ይጅምር፥ እቲ ኣመሪካዊ ድማ እዚ ንመንግስትና ዝምልከት ኢዩ፥ ሕጂ ግን ንስኻ ኣስላም ንክርስትያን ይቐትሉ ኣለዉ ኢልካ ተፈሊኻ ኣለኻ፥ ብሸነኽና ድማ ተጋድሎ ሓርነት አርትራ ምሰ´ዚ ኣብዚ ዞና ዘለና ስትራተጂ ትኸይድ ስለዘይኮነት ኣንጻራ ኢና፥ ስለዚ ብሓባር ኮይንና ኣንጻራ ክንቃለስን ከነጥፍኣን ንሰማማዕ ይብል። ድሕሪ´ዚ እንታይ ግዝያዊ ሓገዛት ከም ዝግበረሉን፥ ንመንግስቲ ኣመሪካ ሓቢሩ ድማ ካልኦት ዓበይቲ ሓገዛት ከም ዝረክብን ቃል ኣተወ። ክንሕግዘኩም ከለና፥ ይብል እቲ ኣመሪካዊ፥ ዝምድናታትና ንከይክሻሕ ናይ ኣመሪካ ብረት ኣይኮንናን ንህበኩም፥ ካብ ቬትናም ዝተኣከበ ብረታት ስለዘሎ ናይ ምብራቕ ብረት ኢና ክንህበኩም ከም ዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ´ዚ፥ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምጥቃዕ ኮማንዶስ ከም ዝተሓባበሩኹም ክንገብር ንኽእል ኢና፥ ነቶም ኮማንዶስ ኣብ ዕላማኹም ከም ዝኣምኑ ምግባር ግን ከም መንፍዓትኩም: ከም ዝበሎ ካብ ኣፍ ውዲ ጆርጆ ብእዝነይ ዝሰማዕኵዎ ኢዩ።

ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ፥ ምስ ኣስራተካሳ ርክብ ነይርዎ ዝብል ተወሳኺ ሓበረታታት ብሸነኸይ ጽጹይ ሓበረታ ስለዘይብለይን ብግቡእ ስለ ዘይዝክሮን ክዛረበሉ ኣይመርጽን። እቲ ሕጂ ከስምረሉ ዝደሊ፡ እዚ ዝገልጾ ዘለኹ ካብ ሓልዮት ንህዝቢ አርትራ ድኣ´ምበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ አርትራ ብምልጋሳ ቅርሕንቲ ሒዘ ከምዘይኮነ ኢዩ። ብርእይቶይ፥ ከምቲ ንተጋደልቲ ህግሓኤ ከም ሓይሊ ህዝቢ አርትራ ዝርእዮም፥ ህዝብና ንተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ´ውን ከም ኣካል ሓይሊ ኤርትራ ከም ዝርእዮም እምነት ኣለኒ። (ሰኣን ፖሊቲካዊ ኣፍልጦ ዝጋገ ሰብ ግን ክህሉ ከም ዝኽእል ይርድኣኒ።

እንበኣርከስ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ጠቒሰየን ዘለኹ ሓቅታት ምስ እንብገስ፥ ናይ ሎሚ መራሒ ኤርትራ ብግስ ከይበለ ንተጋድሎ ሓርነት አርትራ ክድምስስ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ጎድኑ ዘሰለፈ ስለዝኾነ ኢዩ ዓይኑ ከይሓሰየ ንምድምሳሳ ዝተነበየ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጸረ ገድሊ ክትብሎ እንከላ እውን፥ ነቲ ንጹህ ተጋዳላይን ሰዓባይን ድኣ ዝልክም ኮይኑ´ምበር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስልን። ነዚ ስም´ዚ ንምጥፋእ (ንከይቅጽል) ዝተቓለሱ ድማ እቶም ደለይቲ ሰላምን ሓድነትን ዝነበሩ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት አርትራ ኢዮም።

ከምዚ ሎሚ በቢሸነኹ ዝስማዕ ዘሎ፥ ንህዝቢ አርትራን ሰውርኡን ምውጻዕ: ብንግሆኡ ኣብ ሜዳ ነቶም ንኣካይዳኡ ዘይዓጀቦምን ዝነቐፍዎን ብምልጋስ ኢዩ ተጀሚሩ። ህዝብን ተጋደልትን ድኣ፤ ገለ ምእንቲ ናጽነት ክብሉ፡ ካልኦት ብሰንኪ ሕጽረት ኣስተብህሎ፥ ገለ ድማ ብፍርሒ ክዓግትዎ ኣይከኣሉን። እቲ ዘሰክፍ ድማ፥ ገና ሕጂውን ንመንእሰይ ነመሓላልፎ መልእኽቲ ዝተዋቕዐን ዘደናግሮምን ምዃኑ ኢዩ። ነቶም ናብ ቅኑዕ ኣረዳድኣን ኣተሓሳስባን መርገጻትን ከትሕዝዎም ዝጽዕሩ፥ ክንድኦም ዝኾኑ ዘረግትን መደናገርትን ኣፍረስትን ርኢቶታት ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ሰላምን ተቓለስቲ ውድባትን ዘለዉ ኢዩ ዝመስል። ነተን ክሰምዓን ንመንእሰያት ኣብ ከባቢአን ከዕስላን ከማዕብላን ድልየት ዘለወን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ክንዲ ምድንፋዕ ብስም ሲቪካዊ ማሕበራት መአከቢ ዘይብሉ ፋሕጭንግራሕ ዝበለ ህልውና ብዙሕ ሓጋዚ ኣይኮነን ዘሎ።

መንእሰያት አርትራ ኣይ ካብ ትምህርቲ፡ ኣይ ካብ ኣፍልጦ ታሪኽ ሃገሮም፡ ኣይ ካብ ኣፍልጦ ታሪኽ ሰውርኦም ኮይኖም ኣለዉ። አዚ ድማ እንተወሓደ ሓደ ወለዶ ተሰናኺሉና ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ። መንእሰይና: ነቲ ካብ ሃገር ብክንደይ መከራ ተሰዲዱ ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ንክኣቱ ዝገበሮ ብቑዕ ኤርትራዊ ሽግራት፥ ፖለቲካዊ ጠንቂ ምዃኑ ናይ ምርዳእ ጸገም እውን ከይሃለዎ ኣይተርፍን። ስለዚ እዞም ተካእቲ ዝኾኑ ብመንግስቶም ዝተበደሉ መንእሰያትና፥ ነቲ ናይ ብሕታዊ ጸገሞም ጥራሕ ኮይኑ ዝረኣዮም ሽግራት ናይ ሓባር ከም ዝኾነን፥ ብሓባር ፍታሕ ረኺብና ንኩሉ ከም ዝሕሾን ከምዝጥዕሞን ምግባር ምርጫ ኩላትና ክኸውን ከምዝርድኡን ዝዓግቡን ምግባር ኢዩ ዘድሊ ዘሎ።

ተቓለስቲ ወለዶታት ስለ ናጽነት ክቃለሱን ክስውኡን ከለዉ፥ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝነበሮም ሕልሚ ንመንእሰያት ከም ትምህርቲ ክመሓላለፉሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ከም ናይ ቀደምን ዝሓለፈን ታሪኽን´ሞ ዘየድሊ ኢዩ ብምባል ብኣሉታ ዝገልጽዎ ድማ፥ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ንመንእሰያት/ሓዲሽ ወልዶ ይሃስዩን የደንቁሩን ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጎድኒ ህግድፍ ከምዝተሰርዑ ኢዩ ዘቕጽሮም። ናይ ሎሚ መንእሰያት፥ ብፍላይ እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ፥ ነቲ ጸረ ህግድፍ ዝካየድ ቃልሲ ንናይ ሃገርን ህዝብን ሓልዮትን፥ ንመንእሰያት ድማ ዝሓሸት፥ ምዕብልትን ብሰላም ዝነብሩላን ሃገር ከረጋግጹሎምን ዝግበር ዘሎ ዕቱብ ቃልሲ ከምዝኾነ ክርድኡን ክስዕብዎን፥ መተካእታ ክኾኑ ንክኽእሉ ድማ ክሳተፉን ሓላፍነት ክስከሙ ክበቕዑን በዚ ኣጋጣሚ´ዚ ክምዕድ እፈቱ።

ንሓርነት፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኰንካ፥ ኩሉ መዳያዊ ሃለዋት ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብጽሑ እጃምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት (ህዝቢ ኤርትራ፥ መንእሰይ፥ ሓይልታት ተቓውሞ፥ ሰራዊት ኤርትራ) እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ`ዩ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ደንበ ተቓውሞ ንሓያሎይ ዓመታት ነዚ ሎሚ ኣብ አርትራ ስልጣን ብኢደወነኑ መንዚዑ ዝመርሕ ዘሎ ምልኪ ክቃወሞን ከቃልዖን ዝጸንሐ`ኳ እንተኾነ፥ ኣብ አርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ከረጋግጽ ግን ኣይከኣለን። እቲ ምኽንያታታት ባዕላውን ወድዓውን ኢልካ ክትንተን ዝከኣል`ኳ እንተኾነ፥ ዓንቃፊ ግደ መንግስቲ ኤርትራ እውን ዓቢ ከም ዝነበረን ዘሎን ዘይሰሓት ኢዩ። ንመንእሰይ ገና ካብ ዓዲ ከይወጸ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ጥርጣረን ጽልእን ከሕድር ጌሩ ብምኹስኳስ፤ ካብ ሃገር ምስተሰደደ እውን ምስ አምባሲታቱ ከምዝቑረንን ንብሕታዊ ጥቕምታቱ ክብል ጥቓ ተቓውሞ ከይቀርብን፡ ኣብ ልዕሊዚ ድማ 2% (ሚእታዊት) ካብ እቶቱ ንክኸፍልን፥ ተኣማማንነቱ ከመስክር ብዕሊ ኣንጻር`ቲ ዝሓልየሉ ደንበ ተቓውሞ ከም ዝምድርን ብምግባር፤ ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ (መን ይፈልጥ ኣብ ውሽጢ ውድባት፥ ከምቲ ናይ ወትሩ ተግባራቱ፥ ሰለይትን ዘረግትን ብምስዃዕን) ቀጻሊ ዕንቅፋትን ምድኻማትን ንክህሉ ግደታቱ ተጻዊቱን ክጻወት ድማ ይርከብን ኣሎ።

እቲ ሕጂ ዘገድስ ግን፤ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብ ክንዲ ኣብ መጻወድያ ጸላኢ ምእታው፤ ብሓድነት ጉድለታትካ ኣለሊኻ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማኻ ብሓባር ከተዕውት ምብጋስ ኢዩ። ኩሉ`ቲ ንጽቡቕ ናይ ሃገሩ ዝተበገሰ ምንቅስቓሳት፥ ካልኣዊ ጉዳያቱ ንድሕሪት ኣጽኒሑ፥ ነቲ ንኤርትራን ህዝባን ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ከተኩር እዋናዊ ጠለብ ኮይኑ ይስምዓኒ። ነዚ ንምግባር ድማ ምክብባርን፥ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መንፈስን ምዕዛዝ፥ ንኩሉ ናይ ኣነነት ዓንቃፍን ድሑርን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምውጋድን ይሓትት። ፖለቲካውያን ግንባራትን ሰልፍታትን በዚ መንግዲ ምስ ዝኸዳ ድማ: ኩሉ ሲቪካዊ ማሕበራትን ድስኩላት ብቕዓት ዘለዎም ውልቀሰባትን ክድግፍዎምን ግደታቶም ከበርክቱን ክጅምሩ ባህርያዊ ክኸውን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኮይኑ ኣይስመዓንን። እቶም ንመንግስቲ ነጺጎም ድሮ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፥ ግን ድማ ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ መንእሰያት’ውን: ብናህርን ብተስፋን ክስዕቡን መንእሰያዊ ባህርያቶም ብዝመርሖም መገዲ ክቃለሱን ምዃኖም ይርኣየኒ።

እዚ ምስ ዝረጋገጽ ድማ፥ እቲ ምልካዊ መንግስቲ ናተይ ኢዩ ዝብሎ ውጹዕ ሰራዊት ኤርትራ እውን እንተኾነ፥ ተስፋ ክገብርን ነቲ ከም መሳርሕን መፈራርሕን ከም ዝዓጀቦ ገይሩ ዝጥቀመሉ መላኺ ምንግስቲ ክነጽጎን ክሳብ እውን ከውርዶን ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ክበጽሕ ኣኽእሎታት ከምዘሎ ክግመት ይከኣል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፥ ሓይልታት ተቓውሞ፥ መንእሰያትን ሰራዊት አርትራን፥ ለውጢ ንክመጽእ ብሓደ መንፈስን ናይ ስርዓት ምቕያር ድልየትን ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ብምትእምማን ክሰርሑ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣብ ምቅልጣፍ ዓወት ግደ ዘለዎን ኢዩ።

ንሓርነት፡ የቐንየልና ብጻይ ተኽለ
ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ኣነ’ውን ስለቲ ዝተዋህበኒ ዕድል ደጊመ የመስግን

ኣብ ኣወስትራልያ ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንበት 14 ጉንበት 2017 ናይ ሓባር ኣኼባ ከም ዘካየዳ ወኪል ዜና ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

እተን ጨናፍር ኣብ ኣኼባአን፡ ንሃገርን ንሰልፍን ኣብ ዘገድሱ ዓበይቲ ጉዳያት ብሰፊሑ ተመያይጠ፡ ከም ውጻኢቱ ናብ መርሕነት ሰልፊ፤ እዋናውያን ኣገአደስት ለበዋታትን መተሓሳሰብታትን ኣቕሪበን። ኣብ ርእሲ እዚ፡  ኣብ’ዚ ኣኼባ'ዚ ሰልፊ ንምሕያል $2500 (ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን) ኣወስትራልያን ዶላር ተወፍዩ።  እቲ ወፈያ ኣብ መጻኢ’ውን ቀጻሊ ከም ዝኸውን ተገሊጹ። ነዚ ዝተጠቕሰ ወፈያ ዘበርከቱ፡ 1- ደስታ ተኽለ (ብርኮይ)  $1000፡ 2- ብንያም ሃይለ $500፡ 3- ተኪአ ተስፉ  $500ን 4- ሃይለ ገብሩ $500ን እዮም።

ስርዓት ህግደፍ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት ዝዘርግሖ መርበብ ስለያ ዝያዳ ከም ዘሕየሎ ካብ መርበብ ዓዋተ ዝሰፈረ ሓበሬታ ገሊጹ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሰራሕተኛታት ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ናብቶም ነቲ መንግስቲ ህግደፍ ዘውጸኦ ናይ ቸክ ስርዓተ ምንቅስቓስ ናቕፋ ጥሒሶም፡ ጥረ ገንዘብ የንቀሳቕሱ ኣለዉ ዝበሃሉ ነጋዳ ኣድሂቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ እንከሉ ብመንጽር ንትካላትን ንውልቀሰባት ዝመደቦ ዓቐን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ባንክ ዘሎ ካብቲ ዝተጸበዮ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑን፡ ነቲ መምርሒ ጥሒሶም ጥረ ገንዘን ዝሓብኡ ወገናት ከም ዝህሰዩን ከከም ክብደት ናይቲ ጉዳይ ከም ዝእሰሩን ትካላቶም ከም ዝዕጾን እውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ብመሰረት እቲ ስርዓት ኣውጺእዎ ዘሎ ሕጊ፡ ኣብ ባንክ ሕሳብ ዘለዎም ኣብ ወርሒ 5 ሺሕ ናቕፋ ወጻኢ ይግበሩ፡ እንተኾነ ነዚ 5ሺሕ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዓልዎ መረጋገጺ እንተዘይኣቕሪቦም ዋላ ኣብ ሕሳቦም ገንዘብ ይሃልዎም ቀጻሊ ከውጽኡ ኣይፍቀደሎም እዩ።

ነዚ ምንቅስቓስ ገንዘብ ንምክትታል ተወሰኽቲ ኣባላት ስለያ ተቖጺሮም ከም ዘለዉን፡ እዞም ሓደስቲ ሰለይቲ ከም መቕሹስ፡ ኣብ ምዕዳል ራሽን ዝያዳ ኩቦን ከም ዝወሃቡን ካብ ኣብ ገጠር ኣብ ከተማ ናይ ምምዳብ ዕድል ከም ዝረኽቡን እዚ ካብ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሓደ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ሰብ ብክኢላዊ ዘይኮነ ጸብጻብ ናይቶም ሰለይቲ ተገምጊሙ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓሱ ካብ ዓቕሚ’ቲ ዘዋህለሎ ገንዘብ ንላዕሊ እዩ እንተተባሂሉ ይሕተት እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዞም ነጋዶ ዝስላዕ ግብሪ ኣፍልጦ ብዘይብሉ ግምት ናይዞም ሰለይቲ እዩ። በዚ ናይ ሓለፍቲ ቀጻሊ ኢድ ኣእታውነትን ዘይሓጋዚ ፖሊሲ ገንዘብን ንግድን ብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ ትካላቶም ክዓጽዉ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ኣብ ዝኣምንዎም ወገናት ብጸሊም ዕዳጋ ክነግዱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቶም ብሕጊ ክነግዱ ዝፍትኑ ክሳብ ክንድዚ ገንዘባዊ ምቁጽጻር ዝገብር ዘሎ፡ ኣሙናቱን ናይ ስልጣኑ ሓለውትን ግና ሚሊዮናት ናቕፋ ኣብ ገዛውቶም ከም ዝኽዙኑን ክሳብ ናብ በዓል ሱዳን ወሲዶም ናብ ዶላርን ካልእ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ከም ዝቕይሩ እንዳፈለጠ እዩ። 

ነበርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ንመካይን ዝኸውን ነዳዲ ኮነ ኣብ ገዛ ንመብሰልን መብራህትን ዝጥቀምሉ ላምባ ንምርካብ፡ ከምቲ ናይ ባኒ ሪጋ ተሰሪዕም ይሓድሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ኣብ መስርዕ ሓዲርካ እውን፡ ደሓር የለን ወይ ተወዲኡ ኢሎሙኻ ጥራይ ኢድካ ምምላስ ከኣ ዝተለምደ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ምናልባት እንተተረኽቡ እውን እቶም ዝሸጥዎ፡ ብኣባልነቶም ናብ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎም ገንዘብ ንምኽዕባት ማይ ሓዊሶም ስለ ዝሸጥዎ ተሽከርከርቲ ዘበላሹ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ገዛ ኣገልግሎት እውን ጸገማት ይፈጥር ኣሎ። እዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ብእኹል ደረጃ ዘየቕርብ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ዝኣምኖም ኣባላቱ ኣብ ምጥፍፋእ ጥሒሎ ከም ዘለዉ ዘመልክት እዩ።

ምስዚ ምጥፍፋእ ብዝዛመድ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኩሉ ኣባል ህግደፍ እዩ ካብ ዝብል ሸፈጥ ነቒሉ ኣገዲዱ ናይ ኣባልነት ውጽኢት እንዳኣከበ ካዝናኡ ከም ዘህጥር ተገዲዶም ዝኸፍሉ ወገናት ኣቃሊዖም። እቲ ክፍሊት ኣብ ከታማታት ብውሕዱ ኣብ ወርሒ ናይ ሰብእይን ሰበይትን 24 ናቕፋ ከም ዝበጽሕ ይጠቕሱ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናይ ቃል ኣዋዲ እንዳተባህለ ብስም ኣብያተ-ክርስትያን ዝዋጻእ ገንዘብ‘ውን ኣብ ካዝና ህግደፍ እዩ ዝኣቱ። እዚ ናይ ግዱድ ግብሪ ጉዳይ ኣብ ከተማታት ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነ ኣብ ገጠራት እውን ብሰፊሑ ከም ዝዝውተር እሞ ህግደፍ ንሓረስቶት ብደረጃታት መዲቡ ኣብ ዓመት ታሕተዎት 75-80 ናቕፋ ላዕለዎት ድማ 80-16 ናቕፋ ከም ዝኸፍሉን እዚ ገንዘብ ኣብ ካዝና ህግደፍ ከም ዝኣቱን እቶም ከፈልቲ የረድኡ። እቲ ዘገርም ከኣ እቲ ግብሪ ግዱድን ብዘይንጹር ሕጊ ዝእከብን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ከፋሊ ግብሪ፡ ካብቲ ግብሪ ዝእክብ ኣካል ዝረኽቦ ኣገልግሎት ዘይምህላዉ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ተመርሚሮም መጥባሕቲ ከም ዘድልዮም ዝተረጋገጸ ሕሙማት፡ እቲ ሆስፒታል ንመስርሕ እቲ መጥባሕቲ ዝኸውን ሓይሊ ኤለትሪክ ከቕርብ ስለ ዘይክእል ሕሙማት ናቶም ጀነሬተር ከቕርቡ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ ተበጺሑ ከም ዘሎ ካብ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ሰቦም ዝወረደ ጸገም ብምጥቃስ ሓቢሮም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብብዝሒ ይረአዩ ካብ ዘለዉ ሕማማት እቶም ቀንዲ፡ ወቕዒ፡ ሽኮር፡ ብዝሒ ደም ከምኡ ውን መንከስቲ ተመን ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ በዞም ሕማማት ተታሒዝካ ናይ ምሕዋይ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝሕዝ ጸገም ስእነት መድሃኒት ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ኣብያተ-መድሃኒት ጥራዩ ገረውረው ከም ዝብልን ዋናታቱ ግና፡ ዝሽየጥ መድሃኒት  ዘይብሎም ክነሶም ብቐጻሊ ግብሪ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ምስዚ ብዝተተሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ኤርትር ስእነት ዝስተ ማይ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኣስመራ እቲ ሕጽረት ዝወለዶ ክብሪ ዋጋ ንፊስቶ ማይ ናብ ኣማኢት ናቕፋ ደይቡ ከም ዘሎን እቲ በዚ ክቡር ዋጋ ዝግዛእ ማይ ጽሬቱ ዘይተኣማምን ምዃኑን እውን እቶም ብኣካል ዝተዓዘብዎ ወገናት ገሊጾም። 

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሰብ ማእከላይ መዓርግ ወተሃደራት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ስግኣት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።  ነቲ ኩነታት ብቤተሰባዊ መልክዕ ዝተኸታተልዎ ወገናት ካብ ኣስመራ ከም ዝሓበርዎ ስግኣት ናይዞም መኮነናት መንግስቲ ክኣስረና ይሓስብ ኣሎ ካብ ዝብል ከምዝነቅል ተጠቒሱ። በዚ መሰረት መህግደፍ ኣንጻርዞም መኮነናት ብዙሓት እሙናት ሰለይቱ ኣዋፊሩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ኣብያተ መስተን ካልእ መዘናግዒ ቦታታትን ተተከኺቦም ኣብ ዘየድሊ ቦታ ተረኺብኩም ተባሂሎም ከይእሰሩ ስለ ዝሰግኡ መብዛሕትኦም ኣብ ገዛውቶም ተዓጽዮም ክውዕሉ ከም ዝመርጹ እዚ ካብ ቤተሰብ እዞም ወተሓደራት ዝተረኽበ ሓበሬታ  የረድእ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጋሽ ቃጨሮ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዳወባሉ ከባቢ ኣብ መንጎ ገዳይም ናይ ህግደፍ ናይ ስለያ ኣካላትን ኣብቲ ቦታ ዝዓስከሩ ወተሃደራትን ዝለዓለ ምስሕሓብ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ሓቢሮም። እቲ ምስሕሓብ ናብ ምልውዋጥ ተኹሲ  ከይማዕበለ፡ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ነቶም ተተፋኒኖም ዝነበሩ ሓላፊ ስለያን ወተሃደራዊ ኣዛዝን ኣቀራሪቦም ነቲ ኩነታት ንግዜኡ ከም ዘህደእዎ እዞም ምንጭታት ገሊጾም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ንስለያዊ መርበባቱ ዝያዳ የስፈሖ ኣሎ። በዚ መሰረት እቲ ናይ ስለያ መርበባት፡ ኣብ እንዳ ሻህታት፡ ኣብያተ-ብልዒ፡ እንዳ ኣውቶቡሳት፡ ስድራ ቤታት፡ ኣብያተ-መስተ፡ እዳ መርዓን እንዳ ሓዘዝንን ብጻዕቂ ይሰርሓሉ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብ ገጠራት ኣብ ዝርከብ ባይቶታት ዓዲ እውን ሰለይቲ ከም ዝዋፈሩን ህዝቢ ኣማሪሩ ከይዛረብ ብኣፉ ንምሓዝ ይሰርሕ ከም ዘሎን በዚ ዝተማረሩ ወገናት ገሊጾም። ኣብ መብዛትኦም ኣብዚ ስረሓት ስለያ ዝዋፈሩ ወተሃደራት ህግደፍ ነይሮም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዓዲ ዝወዓሉ እዮም። እዞም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ እዞም ኣብ ስለያ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ነበር፡ ከከም መዓርጎም፡ ኣብ ወርሒ ካብ 1300 ክሳብ 250 ናቕፋ ዝኽፈሎም እዮም።

Page 1 of 51