ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ 14 ክሳብ 17 መጋቢት 2023 ኢትዮጵያን. ኒጀርን ከም ዝበጽሑ ቤት ጽሕፈቶም ብ10 መጋቢት 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ሰክረታሪ ብሊንከን 15 መጋቢት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምትእትታው መሰጋገሪ ፍትሕ ኣብ ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ክመያየጡ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ተራኺቦም ብዛዕባ ዝርጋሐ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ውሕስነት መግብን ሰብኣዊ መሰላትን ክዘራረቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝጸንሕሉ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ተራኺቦም ብዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሓበሬታ ክለዋወጡ እዮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕብቲ ኣብ ርክብ መራሕቲ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ኣብ መዳያት፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ውሕስነት መግቢ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዲያስፖራን ኩነታት ጥዕና ዓለምን ክመያየጡ ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ። ከምኡ እውን ኣብዚ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ምይይጥ፡ ብሊንከን ኣሜርካ ኣብቲ ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ዝካየደ ስረሓት እትህቦ ሓገዝ ከጉልሑ እዮም።
ኣንቶኒ ብሊንከን 16 መጋቢት 2023 ኣብ ኒጀር ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ፡ ምስ ናይታ ሃገር መራሒ መሓመድ ባዜምን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሃሶሚ ማሳውዶን ኣብ ከተማ ኒያሚ ክራኸቡ እዮም። ኣብቲ ርክቦም ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣሚሪካን ኒጀርን ኣብ መዳያት፡ ዲሞክራሲ፡ ዲፕሎማሲ፡ ዕቤትን ሓይሊ ምክልኻልን ዘሎ ርክባት ዝምልከቱ ጉዳያት ከልዕሉ ምዃኖም ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ብሊንከን ካብቲ ጐንጺ ዝነበረሉ ከባቢ ኒጀርያ ዕጥቆም ምስ ዝፈትሑ መንእሰያት ከም ዝራኸቡ ተሓቢሩ።
መሰረታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናብ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ቀሪቡ ኣብ ዝጸድቕ ንድፊ ሰነድ ክመያየጡ ከም ዝጀመሩ ካብታ 4ይ ጉባአ ከተሰናድእ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዘት 13 ዝኣባላታ ሽማናግለ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ መሰረታት ብደረጃ ጨናፍርን ዝተፈላለዩ ትካላዊ ጽፍሕታትን ዝመያየጥሉ ንድፊ፡ ብንኡስ ሽማግለ ምድላው ሰነዳት ተዳልዩ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምቕራቡ ዝተዘርግሔ እዩ።
ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዘካይድዎ ምይይጥ፡ ኣብቲ ሰነድ ክተኣታቶ ኣለዎ ዝብልዎ ምምሕያሻት ናብታ ኣቐዲማ ነቲ ንድፊ ዘዳለወት ንኡስ ሽማግለ ከቕርቡ እዮም። ድሕሪዚ እቲ ሰነድ መሊሱ በቲ ካብ መሰረታት ዝቐርብ መመሓየሺ ሓሳባት ምስ ሃብተመ፡ ቅድሚ ኣብቲ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ቀሪቡ ወግዓዊ ምዃኑ፡ ብመንገዲ ሰሚናር መላእ ኣባላት ሰልፊ ክሓልፍ ትጽቢት ኣሎ። እቶም ናብ ምይይጥ ቀሪቦም ዘለዉ ንድፊ ሰነዳት፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን እዮም።
ንኡሳን ሽማግለታት ክፍሊ ሎጅስቲክስን ገንዘብን ኣሰታትፋ ኣባላት ናብ ጉባአን እውን ስረሓን ብጽቡቕ ዘሰላስላ ዘለዋ ኮይነን፡ ናይ መሰረታት ተሳትፎ ኣብቲ መስርሕ ምድላው ዝነኣድ ከም ዝኾነ እውን ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኢትዮጵያዊት መኣዛ መሓመድ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ዓለምለኸ ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ ኮይና
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስእሊ መኣዛ መሓመድ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ
ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ፡ ሓንቲ ካብተን 11 ናይ 2023 ተዓወቲ “ዓለምለኸ ሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ” ከም ዝኾነት፡ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ሓቢሩ።
እዚ ሽልማት ንመበል 17 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ 180 ሃገራት ን180 ኣብ ጽንኩር ኩነታት መጻኢ ብሩህ ንክኸውን ብትብዓት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ፡ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እተን ነዚ ሽልማት ዝበቕዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝርከቡ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ዝርቆሓ ኮይነን ኣብ መወዳእታ ዝውሰን ከኣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ እዩ።
ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ወናኒትን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ ቲቪ” ዝተባህለ መድያ ክትከውን እንከላ፡ ቀንዲ ቆላሕተኣ ብሰንኪ ውግእ ንዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ምዃንን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ምፍጣርን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዘለዋ መድያ ተጠቒማ ዝተሸገራ ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናውን ካልእ መሰረታውን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ንምፍጣር ጐስጓስ ምክያድ እውን ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ ብዙሓት ኣብ ግዜ ውግእን ምምዝባልን ብዝተፈላለዩ ወገናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ቃለ መጠይቓት ኣካይዳ ነቲ ሓበሬታ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክትዝርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ንሽልማት ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ዝትንትን ጸብጻብ ይሕብር።
መኣዛ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ተሓታትነት ንክህሉ መርመራ ንክካየድ ብተደጋጋሚ ብዘቕረበቶ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ዝምልከቶም ናይ ወጻኢ ትካላት ቀልቢ ከም ዝሰሓበት እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ተጨውየን ሃለዋት ዝጠፈአ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣቓልቦ ክረኽባን ስድራቤተን ክሕገዙን ጻዕሪ ምክያዳ ሓደ ነቲ ሽልማት ካብ ዘብቀዓ መመዘኒ ምዃኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። መኣዛ በዚ ተባዕ ተግባራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክትእሰርን ክትፍታሕን ዝጸንሐት እያ።
እተን ምስ መኣዛ ነዚ ሽልማት ዝበቐዓ ካለኦት ተበዓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣርጀንቲና፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ፡ ኮስታሪካ፡ ጆርዳን፡ ካዛኪስታን፡ ማለዢያ፡ ፖላንድ፡ መንጎልያን ዩክረይንን ምዃነን እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ተቒሱ።
ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሽፍ
ሊባኖናዊት ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ ብ6 መጋቢት 2023 ናብቲ ኣብ ከተማ ጀንቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ናይቲ ባይቶ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረብኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናኸፈአ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየ ምብርሀን ካብቲ ጉባአ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እተን ምክትል ኮሚሽነር ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ከም መርተዖ ኣብ ዘቕረባሉ፡ ቤት ጽሕፈተን ካብ ኤርትራ፡ ናይ ሰባት ምስቓይ፡ ብኣልማማ ምእሳርን ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምስቓይን ከም ዝፍጽሙ ዘመልክት ቀጻሊ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጸን። እቲ ኩነታት ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ ዝያዳ ከፊኡ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ከም ዝገደደ እውን ጠቒሰን።
ጸብጻበን ብምቕጻል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣራሚ ስጉምቲ ከም ዘይተወስደ ጠቒሰን፡ ነዚ ንምብራህ ከም ኣብነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ጥሕሰት ዓለለኻዊ ሰብኣዊ መሰልን ሕግታትን ፈጺሙ ከብቅዕ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይምህላዉ ኣስፊረን። ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰል ብሓባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ውግእ ገበን ከም ዝፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ እውን ጠቒሰን።
ኣብዚ ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጻኢ እውን ከመሓይሽ እዩ ዝብል እምነት ከምዘየብለን ዘነጸራሉ መድረኽ፡ እቲ ባይቶ ኣቐዲሙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተሉ ናይ ዝመዘዞም ሱዳናዊ ኮሚሽነር መሓመድ ዓብዱልሰላምን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ቫኔስ ስዩምን እውን ጸብጻብ ሰሚዑ እዩ።
ኣብቲ ጉባአ ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ የለን ዝብል በተን ምክትል ኮሚሽነርን ካለኦትን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ ሓሳብ ከም ዘንጸባረቑ እቲ ካብቲ ጉባአ ዝወጸ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባአ ዝነበረ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣደም ዑስማን እድሪስ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ኣብቲ ዝተላዕለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዛዕባታት ኣተኩር፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ከም ዝፍጸም ብምጥቃስ ጸብጻብ ዘቕረቡ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ተልእኮ ዘለዎም እዮም ብዝብል ናብ ምኽሳስ ከም ዘድሃበ ተሓቢሩ።
ብደረጃ ዓለም ን199 ሃገራት ብዝተዋህበ ደረጃ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት፡ ኣብ መበል 194 ከም ዝተሰርዐ ኖማድ ፓስፖርት ኢንዴክስ/NOMAD CAPITALIST PASSPORT INDEX ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ክትጐዓዘሎም ዘይምቹኣት ብዝብል ምስ ናይ ኢርትራ ድሕሪት ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርትታት፡ ናይ ፓኪስታን፡ የመን፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እዮም።
እቲ መምዘኒ 100 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነጥቢ ዝህብ ኮይኑ፡ እቶም መዕቀንታት ድማ፡ ምቅስቓስ ብዘይቪዛ፡ ንዜግነት ዝኽፈል ግብሪ፡ ግንዛበ ወይ ተርድኦ፡ ብዙሕነት ዜግነትን ውልቃዊ ናጽነትን ዝብሉ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ብቕደም ሰብ ዓብ ካብቲ ሚእቲ፡ 50%፡ 20%፡ 10%፡ 10%ን 10% ዘውህቡ ምዃኖም ኣብቲ ሰንጠረዥ ሰፊሩ ኣሎ።
በቲ ኣብቲ እንዴክስ ሰፊሩ ዘሎ ደረጃታት መሰረት፡ ሉግዘምበርግ 115.50 ብምርካብ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ 199 ሃገራት ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኣፍጋኒስታን ድማ 20 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ መበል 199 ተሰሪዓ። ኤርትራ ኣብ መበል 194 ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ 26.50 ጥራይ ረኺባ እያ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ናብ 12 ሃገራት ጥራይ ምጋሽ ከም ዝከኣል ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። ጎረባብቲ ኤርትራ ድማ፡ ኢትዮጵያ 32.50 ረኺባ መበል 180፡ ሱዳን 28.50 ረኺባ መበል 190፡ ጅቡቲ 36.50 ረኺባ መበል 166 ክስረዓ እንከለዋ፡ ሶማሊያ ድማ 27.50 ረኺባ ንኤርትራ ብኽልተ ደረጃ ቀዲማ ኣብ መበል 192 ሰፊራ ኣላ።
ኣብዛ ብዘይቅዋም ትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ፓስፖርት ምርካብ ዜግነታዊ መሰል ክኸውን ዝግበኦ፡ ህግደፍ ካብ ናብ ግዱድ ዕስክርና ምስታፍን ዘይምስታፍን ጀሚርካ ብዙሕ ዓንቃፊ ቅድመ ኩነታት ስለ ዘቕርብ ንምርካቡ ኣጸጋሚ እዩ። ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገሮም ክወጹ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት ከኣ እዚ ዕንቅፋት እዚ ሓደ እዩ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ፓስፖርት ምስ ረኸብካ ድማ ንክትገይሽ መውጽኢ ቪዛ ንክትረክብ ካብቲ ፓስፕርት ክትረክብ ዘሎ ጸገም ዘይድሕር ዕንቅፋት ኣለዎ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽራይ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ መጸዋዕታ ክንጸግ ተማሕጺኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ዝተመዘዘ ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ ዘቕርቦ ዘሎ ሓሳብ ተቐባልነት ንከይረክብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ነቲ መጸዋዕታ ብ3 መጋቢት 2023 ዘቕረቦ ናብቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ኣፍሊጣ።
ምክትል ዳይረክተር ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍላቪያ ምዋንጎቭያ፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምጽራይ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶ ዘተሓሳስብ እዩ ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ናይ ውግእ ገበናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክጻረ እሞ ዝተበደሉ ሚልዮናት ሰባት ፍትሒ ንክረኽቡ ትብዓት ከምዘየብሉ ዘርኢ እዩ ኢለነኦ።
እተን ምክትል ዳይረክተር ኣተሓሒዘን፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደል ከጻሪ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናብቲ ከም ክልል ኦሮሞ ዝኣመሰለ ገበናት ዝተፈጸመሉ ከባብታት እውን ንክኣቱ ክፍቀደሉ ጸዊዐን። ኣተሓሒዘን ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘስግእ ውሳነ ኣብ ምንጻግ ክተሓባበር ኣተሓሳሲበን።
እዚ ናይ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ውሳነ ሓሳብ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝቐርብ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኢትዮጵያ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ልዕሊ 60 ዘይመንግስታዊ ትካላት ብሓባር ብዘውጸአኦ መግለጺ ተቓውሞአን ከም ዝገለጻ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ምጽራይ ኣብ ኩሎም ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ስለ ዝካየድ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ እውን ዝምልከቶ እዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ብ1-2 መጋቢት 2023 ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ኣብ ትግራይ ዝምስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምረሓሉ ሰነድን ቀጥዒ ምክፍፋል ስልጣንን ከም ዘጽደቐ ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣስታት 350 ብድምጺ 50 ድማ ብዘይድምጺ ተወከልቲ፡ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ማሕበራት፡ ሰራዊትን ምሁራትን ከም ዝተሳተፍዎ እቲ 11 ነጥብታት ሒዙ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
በቲ መግለጺ መሰረት እቲ ዝቐውም ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ 17 ኣብያተ ጽሕፈትን 9 ክላስተራትን ክህልውዎ እዮም። ካብዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዕቤት ከተማታት፡ ገንዘብ፡ ትምህርትን ጥዕናን ዝርከብዎ 9 ኣብያተ-ጽሕፈትን 5 ክላስተራትን ብህወሓት፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን 2 ክላስተራትን ብሰራዊት ትግራይ፡ ቤት ጽሕፈት ፍትሕን 1 ክላስተርን ብምሁራት፡ ጉዳያት ቱሪዝም፡ ሃብቲ ማይ፡ መንገድን ትራንስፖርትን ዝርከብዎ 6 ኣብያተ-ጽሕፈት ድማ ብተቓወምቲ ውድባት ከም ዝተሓዝ ዩኤምዲ/UMD ዝተባህለ ማሕበራዊ መዲያ ዝዘርግሖ ሰንጠረዥ የረድእ። ብመሰረት እቲ ንምክፍፋል ስልጣን ብዝምልከት ወጺኡ ዘሎ ሰንተረዥ ፕረሲደንት ካብ ህወሓት ዝምዘዝ ኮይኑ፡ ካብ ሰራዊትን ካብ ምሁራትን ድማ ክልተ ምክትላት ይህልዉዎ።
ካብ ኣጀማምራ እቲ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ክቃወሙ ዝጸንሑን ተቓወምቲ ውድባት፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣይተሳተፉን። ዲሞክራስያዊ ውድብ ኢሮብ ግና ተሳቲፉ።
እቶም ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ተሓዚእሎም ዘሎ 6 ኣብያተ-ጽሕፈት ዘይቅበልዎ እንተኾይኖም፡ እቲ 4 ንሰራዊት እቲ 2 ድማ ንምሁራት ከም ዝወሃብ ድማ ካብ ተለቪዥን ኣሰና ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቶም ካብ ምሁራት ዝምዘዙ ብማሕባር ምሁራት ትግራይ ዝሕረዩ ምዃኖም እታ ተለቪዥን ሓቢራ።
እዚ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮና፡ ዝተፈላለያ ናይ ትግራይ ማሕበራዊ መድያታትን ፖለቲከኛታት ‘ውን ክቃወምዎ ዝጸንሑ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ ዓመተ 2022 ንጥፈታቱ ንምግምጋምን ክሳዕ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ክፍጸሙ ብዛዕባ ዝግብኦም ዕማማት ንምዝርራብን ብ26 ለካቲት 2023 ናይ መላእ ኣባላቱ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ ጸብጻብ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ናይ 2022 ዓ.ም፣ ምስ ዝተፈላለዩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝግበር ናይ ሓባራዊ ቃልሲ ዘተ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፡ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ከምኡውን መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብብጻይ ብርሃነ ደበሱ ሓላፊ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ብዝተዋህቦ እዋናዊ ዕማማት ከምኡውን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣቐዲሞም ብዘውጽኡዎ መደብ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስሉጥ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስርሓት ከምዝፈጸመ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተገንዚቦም፡ ኣብ መጻኢ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቶም ኣሐይሎም ምዃኖም ከኣ ኣረጋጊጾም።
ንሓባራዊ ስራሕን ጽምዶን ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝምልከት፡ እቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ዘቕረቦ እማመ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ዳርጋ ብምሉእ ደንበ ተቓውሞ ተቐባልነት ረኺቡ ይስርሓሉ ምህላዉ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም። ሰዲህኤ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ንዘለዎ ጽኑዕ መርገጽ እውን ንኢዶም፡ ከምቲ ዝድለ ንክትግበር ኩሎም ዝምልከቶም ንክጽዕቱ ለበዋኦም ከም ዘመሓላለፉ ከኣ እቲ ካብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ኣብ ዝተመያየጥዎ፡ እቲ ዓለም ዘሰክሐ ውግእ ትግራይ፡ ብሰላም ናብ ዝፍትሓሉ መድረኽ ብምብጽሑ ዝተሰምዖም ሓጎስን እቲ መስርሕ ብዓወት ክፍጸም ዘለዎም ሰናይ ትምኒትን ገሊጾም። ህዝቢ ትግራይ ብዘርኣዮ ጽኑዕ ሓድነትን ተወፋይነት ዝመልኦ መስዋእትን ካብ ዕጽዋን ክባን ወጺኡ ናብ ንቡር ንክምለስ ተታሓሒዙዎ ብዘሎ ጻዕሪ፡ ባህጉን ድልየቱን ዝተማልአ ክኾነሉን ድማ ኣኼባ ተመንዩ።
እቲ ኣብቲ ዘይምልከቶ ኲናት ብልዑል ደረጃ ዝተዋስአ ስርዓት ህግደፍ ብዘውረዶ ናይ ሂወትን ንብረትን ዕንወት ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውንን እቲ ንሱ ደዊኑዎ ዘሎ ክብርን ምስልን ኤርትራ ናብ ንቡር ክምለስን ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብዕቱብ ክንስርሓሉ ኣኼባ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ከባቢና ብዘለዎ ኣቐማምጣን ዝውንኖ ዕቑር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ንዓይኒ ብዙሓት ስሒቡ ኩሎም ሓያላት ዓለምና ከመናጠልሉ ይጓየዩ ስለዘለዉ፡ ምስቶም ንፍትሒ፡ ሰላም፡ ሓድነትን ልኢላውነትን ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት ዝምድናና ንምሕያል ንክንቃለስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዘተሓሳሰኡ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝምድና ንምሕያል ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጽዕቱ ምርግጋጾም እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ23 ለካቲት 2023 ውግእ ዩክረይ-ሩሲያ ዝተጀመረሉ ሓደ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ነውዮርክ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሩሲያ ነቲ “ምሉእነት፡ ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብምኹናን ካብ ዩክረይ ንክትወጽእ ዝጽውዕ ዳግማይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ወሳነ ኣገዳዲኳ እንተዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን።
እቲ ውሳነ ብዓብላሊ ቁጽሪ 141 ደገፍ፡ 7 ተቋውሞን 32 ዕቃበን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ምስተን ሩስያ ባዕላ እትርከበን ሃገራት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም እያ ኣድሚጻ። እተን ምስ ኤርትራ ዘድመጻ፡ ሃገራት፡ ሩስያ ባዕላ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ማሊ፡ ንካራጉዋን ሶርያን እየን። ኢትዮጵያ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ 32 ሃገራት ኮይና። ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ እተን 15፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ብሩንዲ፡ ናሚብያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ጋቦን፣ ጊኒ፣ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡ ዝርከበአን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዚ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ቻይና ንሩሲያ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ መስኮ ምስ ልኣኸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ፕረሲደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ እቲ ውሳነ ሃገሮም ሓያል ዓለምለኻዊ ደገፍ ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሎም፡ ኣብዚ 2ይ ዓመት ናይቲ ውግእ ንሩሲያ ከም ዝስዕርዋ ኣመልኪቶም። ምክትል ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ነቲ ውሳነ ትርጉም ዘየብሉ፡ ሰላም ዘየምጽእን ንሃረፍቲ ውግእ ዘተባብዕን እዩ ኢለምዎ።
ምዕራባውያን ንዩክረይን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ከዕጥቐኣ እንከለዋ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኔቶን ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነታ ድምጻ ዝዓቀበት ቻይና ንሩሲያ ኣጽዋር ንኸይተቕርበላ ኣጠንቂቐን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ጽዕጹዕ ውግእ፡ ዩክረይንን ሩሲያን ነፍሲ ወከፈን ዳርጋ 100 ሺሕ ወተሃደራት መይተምወን ዝብል ግምት ኣሎ።
ጀነራል ታደሰ ወረደን ምክትሉ መምህር ምሉወርቅ ኪ/ማርያምን
ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ድሕሪኡ ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ርክባትን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ነቲ መስርሕ ትመርሕ ዘላ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተመዘዘት ትሻዓተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እያ። እዛ ሽማግለ ብማዕረ ቁጽሪ ካብ ህወሓት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምሁራት ተጋሩን ዝቖመት እያ።
እዛ ብኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ሌፍተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ምስ ዝተፈላለዩ እቲ መስርሕ ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ተራኺባ ሓሳባት ትእክብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ርክባት ነቲ ቀጻሊ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት ዝተነድፈ እማመ እያ ትገልጽ ዘላ። እቲ ዝምስረት ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዘብጽሕ እዩ።
ኣብቲ ርክባት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይታ ሽማግለ ኣቃውማ ግሉጽን ኣሳታፍን ኣይኮነን ዝብል ተቋውሞታትኳ እንተኣጋጠማ፡ ናይ ብዙሓት ርኢይቶ ግና ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኣመሰራርታ እታ ኣሰናዳኢት ዝተራእየ ሕጽረት ተመሊስካ ንምእራም ግዜ ምብላዕን ነቲ ዕድል ምብኻንን፡ እቲ ቀጻሊ መስርሕ፡ ኣሳታፊ፡ ግሉጽን ዲሞክራስያውን ከም ዝኸውን ጌርካ ምቕጻል ይሓሽ ዝብል እዩ። ብመሰረት መግለጺ ናይታ ሽማግለ እቲ ርክባት ምስተፈጸመ፡ እቲ መስርሕ ብመንገዲ መዛዘሚ ኮንፈረንስ ኣቢልካ ክዛዘም እዩ።
እቲ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ዝድለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዝግባእ በጀት ዝፍቀድን ካልእ ዓበይቲ ውሳኔታ ዝትግበርን ድሕሪ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ምዃኑ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝተበጽሐ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብዛ ደሞዝ ካብ ዝኽፈሉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝሓለፎም ኣሸሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘለዋ ትግራይ፡ ምፍቃድ በጀት ወሳኒ ምዃኑ እቲ ኮሚተ ኣብቲ መድረኻት ይገልጽ ኣሎ።
ኣብቲ ዝቕጽል መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣሰሓሕብቲ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ዛዕባታት፡ ኣሰታትፋ ናይ ህወሓት፡ መሪሕነት ሰራዊት ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡፡ ምሁራት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋሩን ካለኦት ዝምልከቶምን “ከመይ ይኹን?” ኣብ ዝብል ምስምማዕ ሓደ ክኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ፡ ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣገባብ ኣመራርጻ ፕረሲደንትን ኣባላት ካቢነን ቀንዲ ዕማማት ናይቲ መንግስት እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን እውን ድሮ ርሱናት ኣዛረብቲ ኮይኖም ዘለዉ እዮም።
እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተመስረተ ኣብ መወዳእታ ብወግዒ ስርሑ ዝጅምር፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ምስ ጸደቐ ምዃኑ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።
More...
ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስረሓት ስነጥፉ ኤርትራውያን፡ ብ19 ለካቲት 2023፡ ኣብ መእከቢ ኣድራሽ ፓላስ ፕለይ ፓርከ ኣብ ዘላየድዎ ኣኼባ፡ “ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን” ከም ዝመስረቱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።
ኣብቲ ኤርትራውያን ኣባላት ማሕበር ስነ-ጥበባውያን ኡጋንዳን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ መስራቲ ኣኼባ፡ ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበር መምህር የማነ ሓጐስ፡ እቲ ማሕበር ንክምስረት ዝደረኸ ምኽንያትን ዕላማ ናይቲ ማሕበርን ዝምልከት ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ንሱ ዘስመዖ ቃል፡ ዝተወሰኑ ስነ-ጥበባውያን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ገንዘብ ክሕዙኳ እንተኸኣሉ፡ እቲ ሞያ ግና ከም ዝተሃስየ ጠቒሱ፡ ናይቲ ማሕበር ምምስራት ነቲ ኩነታት ንምዕራይ ኣድላይ ምዃኑ ኣረዲኡ።
መምህር የማነ ሓጐስ፡ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኡጋንዳ፡ ናይ ምውሳእ፡ ድርሰት፡ ደርፊ፡ ግጥሚ፡ ስእሊ፡ ቅብኣ፡ ትልሂትን ካልእን ክእለት ዘለዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ እቲ ዝተመስረተ ማሕበር ንኹሎም ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ማሕበር ንክምስረት ንዝጸዓቱ ኣመስጊኑ፡ ማሕበሮም ኣብ መንግስቲ ኡጋንዳ ሕጋዊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ። ሓደ ካብ ኣካየድቲ ናይቲ ማሕበር ያቆብ ዳዊት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ናይ ማሕበሮም ገንዘባዊ ምንቅስቓስን ካልእ ንጥፈታትን ንምክትታል ዘኽእሎም መስመር ኣብ ሞባይሎም ዝረኽብሉ ኣገባብ ከም ዝተማህዘ ጠቒሱ።
በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ክቱር ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ናይ ህዝብና ራህዋ ንምውሓስ ዝካየደ ዘሎ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ነዘኻኽሮም።
ስእሊ፡ ማሕበራዊ መዲያ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሰንክቲ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰንበዶ ንኣንበሳድሩ ኣብ ኬንያ በየነ ርእሶም ኣምሪሩ ከም ዝገሰጾ፡ ናብ ምምሕዳር ህግደፍ ቀረባ እዮም ዝበለቶም ምንጭታታ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ኣፍሊጣ። ኢሳያስ ነቲ ኣንበሳድር ዝገሰጾ ብዛዕባቲ ቀልቡ ዝገፈፎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ እዩ።
ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ዘውጸኣቶ ዝርዝር፡ ኣንበሳድራት፡ ብሓፈሻ መንግስታዊ ጋሻ ብፍላይ ከኣ መራሒ ሃገር ናብቲ ዝተመደብዎ ሃገር ክመጽእ እንከሎ፡ ክገብርዎ ዝግበኦም ምድላውን ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዓሚቕ ሓበሬታን ኣለዎም። እቲ ምድላው፡ እቲ መራሒ ናይ ዝረኽቦም ሰባት ቆጸራ ኣቐዲምካ ምሓዝ፡ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ዘድሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ንኣመጋግበኦም ዝምልከት ጉዳያትን ከም ዘጠቓልልን ይኸውን። ኣንበሳድራት ነዚ ምስቶም ዝምልከቶም ናይታ ጋሻ እትቕበል ሃገር ሓለፍቲ ኮይኖም ከም ዝሰርሕዎ እውን ጠቒሳ።
ኣንበሳድር በየነ ርሶም ብዛዕባ ባህሪ ናይቲ ጋዜጣዊ ዋዕላን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ጋዜጠኛታትን ክፈልጥ እንዳተገበኦ ዘይምፍላጡ ካብቲ ዝተገንሓሉ ምኽንያታት ሓደ እዩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት ንኢሳያስ ዝውጥር ሕቶታት ከም ዝሓቱ ኣቐዲምካ እንተዝፍለጥ፡ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ነይሩ።
ጋዜጣዋ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ነቲ ኣብ ናይ ብሕቱ መንግስታዊ መዲያ እሞ ባዕሉ ብዝመደቦም ጋዜጣኛታትን ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉን ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ብዘመዓራረዮ ሕቶታት፡ ኣብ መንጎ ዘቋርጾ ዘየብሉ ብዘይገደብ ምዕንዳር ዝለመደ ኢሳያስ ከሰንብዶ ግድን ከም ዝነበረ ተጠቒሱ። እቲ ጋዜጠዋ ዋዕላ ናይሮቢ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ ንኢሳያስ በቲ ዘይለመዶ ክዕገሶ ዘይከኣለ ኣገባብ ክቃላዕ ዝደለይዎ፡ ከም ሲ ኣይ ኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት ዘጻወድዎ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቐዲሙ ናይሮቢ ናጻ ፕረስ ዝዓንበበላ እምበር፡ ከም ኣስመራ ዕጽውቲ ዘይምዃና ክርዳእ ዘይምኽኣሉ ኣብ መጻወድያ ከም ዘእተዎ ዜና-ገዳብ ሓቢሩ።
ኢሳያስ ብ2001 ብዘይኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ጋዜጠኛን ደራሲ ተዋሰኦን ፍሰሃየ ዮሃንስ (ጀሽዋ) ተሓቲቱ፡ “ኣይፈልጦን እየ፡ ስለዚ ብዛዕባ ሃለዋት ዘይፈልጦ ሰብ ዝብሎ የብለይን” ኢሉ ምንባሩ ከም ድሕረ ባይትኡ ምስ ዘይኤርትራዊ መዲያ ጠቒሱ።
መንገዲ ኣየር የመን፡ ካብ 15 ለካቲት 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማ ዓደን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ በረራ ከም ዝጀመረ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ መንገዲ ኣየር የመን ናብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ዝጀመረት ድሕሪ ብ2015 ምቁራጻ ምዃኑ ናይታ መንገዲ ኣየር ወኪልን ኣመሓዳርን ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ፉኣድ ኣታሺ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሮም።
ፉኣድ ኣታሺ ንኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ባንዴራ ውግእ ኣዝያ ናይ ዝተሃስየት ሃገር ዘንበልብል በረራ ረቡዕን ዓርብን እዩ ዝካየድ። እቶም ወኪል ኣተሓሒዞም እዚ ዳግም ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ስሩዕ በረራ ካብን ናብን ዓደንን ኣዲስ ኣበባን ንገያሾ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት መሰጋገሪ ኮይኑ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ጠቒሶም።
መንገዲ ኣየር የመን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ከም ድማ፡ ናይዚ በረራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማር፡ መሪሕነት የመን ነቲ በረራ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ብስሩዕ ኣገባብ ንምስፋሑን ናብቲ ግቡእ መርበብ በረራ ንምምላሱን ዓብይ ስጉምቲ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያ ኢትዮጵያ፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ተፈቲሑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደገኛ ወጥሪ ብሰላም ከም እተፈትሐ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። እቲ ወጥሪ ዝተፈጥረ 3 ጳጵሳት ናይታ ቤተክርስትያን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ብኢደወነኖም 26 ኤጲስቆጶሳት ቀቢኦም፡ “ናይ ኦሮሞን ብሄር ሄረሰባትን ሲነዶስ ክንምስርት ኢና” ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ብግብሪ ብምንቅስቓሶምን እዩ።
ነዚ ስጉምቲ ተኸቲላ እታ ብፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ እትምራሕ ዕላዊት ሲነዶስ ኢትዮጵያ፡ ብ26 ጥሪ 2023 ብዝወሰነቶ መሰረት፡ እቶም ካብ ሕጊ ሲነዶስ ወጻኢ ዝተንቀሳቐሱ፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኣውንጣጢዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን ዝተባህሉ ጳጳሳትን ንሳቶም ዝቐብእዎም 26 ኤጲስቆጶሳትን መዓርግ ጵጵስናኦምን ክህነቶም ተቐንጢጡ ብናይ ቀደም ስሞም ኣቶ ተባሂሎም ክጽውዑ ወሲና።
እንተኾነ እቶም መዓርጎም ዝተቐንጠጡ ጳጳሳት፡ ነቲ ውሳነ ነጺጎም፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝተወሰኑ ኣብያተ-ክርስትያን ክቆጻጸሩ ፈቲኖም። ተኸተልቲ ተዋህዶ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ፡ “ሕጋውያን ስለ ዘይኮንኩም ናብ ቤተ-ክርስትያና ኣይነእትወኩምን” ብምባሎም፡ ዕጡቓት ሓይልታት ክልል ኦሮሞ ብዘርኣይዎ ኢድ ኣእታውነት ብዙሓት ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ምእታዉ በታ ቤተክርስትያን ክኽሰስ ምስ ጸንሐን ኣስታት 60 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣለዉኒ እትብል ኦርተደኩስ፡ “ኣብ ሓደ መዓልቲ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክጽውዕ እየ” ምስ በለትን መስርሕ ዕርቂ ከካይድ ተገዲዱሩ።
በዚ መሰረት፡ እቶም ካብ ቆኖናዊ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ጳጳሳት፡ ይቕረታ ክሓቲቱ’ሞ ናይ ቅድም መዓርጎም ክምለሰሎም ተሰማሚዖም። ከምኡ ድማ እቶም በቶም 3 ዝተቐብኡ ኤጲስቆጰሳት ናብቲ ናይ ቅድም መዓርገ-ክህነቶም ክወርዱ ብ15 ለካቲት 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕርቂ ፈጺሞም።
ከም ኣካል ናይቲ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ኦሮሞ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ነቲ ኣማኒ ብዝርደኦ ቋንቋ ንክወሃቦ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ምኽፋት ሃይማኖታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ክውስኽን ዝብል ከም ዝርከቦ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚዚ ወጥሪ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ ሳልስቲ ብሓልታት ጸጥታ ፈደራልን ክልል ኦሮሞን ኣስታት 500 ናይታ ቤተክርስትያን ጸለውቲ ባእታታት ተኣሲሮም ኣለዉ።
እዚ ወጥሪ ኣብታ ሃገር፡ ምስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ተደሚሩ፡ ናብ ዝለዓለ ደም ምፍሳስን ምብትታንን ከየምርሕ ኣብ ብዙሓት ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ዝጸንሐ እዩ።