ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን (ማጋሱ)፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ’ ካብ ናይታ ሃገር ትካላት መድያ ትሕተ-ቅርጻ 90% ከም ዘዓነወን ኣሸሓት ጋዜጠኛታት ከም ዝተመዛበለን ሓቢሩ። እቲ ማሕበር ኣተሓሒዙ ብዙሓት ትካላት ዜና ንብረተን ከም ዝተሰርቀን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ ካብ ሃገር ንክስደዱ ከም ዝተገደዱን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ዝተገልጸ እቲ ማሕበር ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዘካየዶ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምዃኑ ድማ፡ መርበብ ሓበሬታ ሱዳት ትሪቡን ኣፍሊጣ።
ናይቲ ማሕበር ጸሓፊ ኢማን ፋዱል፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 80% ከባብታት ሱዳን ካብ ኢንተርኔትን ካልእ መራኸብን ስለ ዝተቛረጸ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ህዝቢ ጸብጻባት ምቕራብ ከምዘይተኻእለ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት፡ ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኣስታት ልዕሊ 100 ጋዜጠኛታት ብኣካል ክሳተፉ እንከለዉ፡ 220 ድማ ብመራኸቢ ብዙሓት ተሳቲፎም። ናይቲ ኮንፈረንስ ቀንዲ ዛዕባ፡ ናይቲ ኮንፈረንስ፡ ጽልዋ ኣብ ጋዜጠኝነትን ንሱዳናውያን ጋዜጠኛታት ዘጋጠሞም ብደሆን ዝምልከት ምንባሩ ሱዳን ትሪቡን ኣብቲ ጸብጻባ ኣስፊራ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዝቐረቡ ኣርእስታት፡ ግደ መድያ ኣብ ውግእ፡ ምንዛሕ ናይ ጽልኢ መደረታት፡ ገበን ውግእን መጻኢ ዕድል ጋዜጠኝነት ኣብ ሱዳንን ዝብሉ ይርከብዎም። እቲ ቀንዲ ዝተዘርበሉ ከኣ ንማሕበራዊ ኣቃውማ ሱዳን ዘስግእ ዘሎ ምዝርጋሕ ሓሶት ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ፋዱል ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር 445 ጋዜጠኛታት ግዳይ ሞት፡ ማእሰርትን ስቓይን ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ ካብዚኣቶም 39 ዝተቐትሉ ምዃኖም ሓቢሩ።
ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ብስሩዕ ካብ ዝእከብ 28 መስከረም 2024 ሽዱሽተ ዓመቱ ከም ዝሓለፎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 መስከረም ዝተዘርግሐ ዜና ቢቢሲ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ “ካቢነ ኣበይ ጠፊኡ? ሃለዋት እተን ዝመርሐን ዝነበረ ሚኒስተሪታት ከ ኣብ ከመይ ዝኣመሰላ ሃለዋት ኣለዋ?” ዝብሉ ሕቶታት የቕርቡ ከም ዘለዉ እውን ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ደገፍቲ ህግደፍ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይቶም ሚኒስተራት ብዕድመ ምድፋእ በቲ ካልእ ወገን ድማ መስርሕ ምትኽኻእ ዘየለ ምዃኑ ከም የተሓሳስቦም ከም ዘሎ’ውን ኣስፊሩ።
ፖለቲካዊ ባህሪኡ ብዘየገድስ ኣብ ንቡር መንግስታዊ ኩነታት፡ ካቢነ ሚኒስተራት ፈጻሚ ኣካል ኮይኑ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ናይቲ መንግስቲ ዝከታተል እዩ። ሓጋግን ፈራድን ከኣ ነናቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት መንግስቲ እዮም። ኣብ ኤርትራ ግና ሓጋግን ፈራድን ኣካላት ካብ ቀደም ካብ ንቡር ወጻኢ በቲ ካቢነ ዝተጨውዩ ኮይኖም፡ እቲ ቁርብ ድምጹ ዝስማዕ ዝነበረ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ዝእከብ 6ተ ዓመታት ምሕላፉ ድማ ኩሉ ነገር ተጠቕሊሉ ኣብ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ምውዳቑ ዘመልክት እዩ።
ካቢነ ሚኒስተራት ብመሰረቱ ብሓጋጊ ኣካል ዝጸድቕ ሕግታትን ኣዋጃትን ዘተግብር ኮይኑ፡ ናይ ሕግታት፡ ዓመታዊ በጀትን ንድፊ ናብቲ ሓጋጊ ኣካል ዘቕርበሉ ኩነታት እውን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግና ሓጋጊ ኣካል ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ሕግታት መሰረት ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ኮነ ብግሉጽነት ዝፍለጥ በጀትን የለን። ኣባላት ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ምምሕዳር ህግደፍ፡ ብሓጋጊ ኣካል ዝድይቡን ዝወርዱን ዘይኮኑ፡ ውልቀ-መላኺ ብኢደ-ወነኑ ዘደይቦምን ከውርዶም እዮም። ኣብዚ መስርሕ ህዝቢ ኣጋጣሚ መዲያ እንተዘይኮይኑ፡ መን ኣበየናይ ሚኒስትሪ ተመዚዙ ይመርሖ ከም ዘሎ ኣይሕበሮን እዩ።
እቲ ብምርጫ ዘይኮነ ብሕርያ ቆይሙ ዝነበረ ሓጋጊ ኣካል ኤርትራ፡ ካብ 2002 ንደሓር ኣበይ ከም ዘሎ ከምዘይፍለጥን ናይቲ ኣካልቲ ምእካብን ዘይምእካብን ጠንቂ ናይቲ ኣብ 2001 ዝተኻየደ ኣልማማ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜተኛታትን ከም ዝነበረን እውን ቢቢሲ ኣብቲ ሰፊሕ ገምጋማ ኣስፊራ።
ብማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ ዝተማሓየሸ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኲነታት ኣብ እትኸደሉ፡ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ምንቁልቋል ንምድሓን ሓድሽ ማዕበል መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራውን ሓቢሩ ክሰርሕ ጽላላት ኣብ ዘቑመሉ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ሕድሕድ ውግእን ምቅትታልን ሃለዋት ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ዝኾነት ክልል ትግራይ ድማ ብናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ መሰረት ናይ ሰላም ጩራ ኣብ ዝተራኣየሉ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ሓድሽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተጋሃደሉ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤምን፣ መንግስቲ እስራኤልን፣ ዩክረይንን ሩስያን ኣልዒልዎ ዘሎ ነውጺ፣ ናብ ተጠምቀቕ ኣትዩ ኣብ ዘሎ ህሞትዩ ተኻይዱ። ዋዕላ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረብሉ ንድፊ ቀወምቲ ሰነዳት ቻርተን ዓንዲ ሕግን ተመያይጡ ምጽዳቑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ዓሚቚ ዘተ ኣካይዱ፡ እዚ ዝስዕብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ድማ ኣሕሊፉ።
እዋናዊ ኲነታት ኤርትራ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕሉ ንዘቖሞም ትካላት’ውን ከይተረፈ ጠሊሙ፡ ናብ ክቱር ክሕደት ስለዝጠሓለ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታት ኣብ ኣዝዩ ክተዓረቐሉ ዘይክእል ዝተረሓሓቐ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዋዕላ ፖሓኤ ገምጊሙ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዋዕላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ራህውኡን ሓርነቱን መንገዲ ድሕነቱ ንኽጸርግ ጸዊዑ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ ዘካየድ ዘሎ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ፖሓኤ ቅድሚት ከምዝስለፍ ብምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ንኽስለፍ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ኣብ ሃገርነት ኤርትራ እሙን ዘይኮነ፡ ተወላዋሊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተኽተሎ ስልጣኑ ናይ ምስፋሕን ምሕላውን ፖሊሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተወሕጠሎምን ንኣፍደገ ባሕሪ ምስምስ ዝገብሩ ገለ ኢትዮጵያዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን፡ ንልዑላውነትና ኮነ ሓድነት ህዝብናን መሬትናን ትርጉም ዘስእንዎ ወስታታት ከርእዩ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ይኹን እምበር፡ ፖሓኤ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ባሕርን ኣየርን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ምዃኑ የረጋግጽ።
ኣድላይነት ሓባራዊ መቃለሲ ጽላል ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡
ፖሓኤ ንተዳላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምርዳእ ሓሊፉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት፡ ግንባራትን ምንቅስቃሳትን ክዝቲ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ኣብ መስራቲ ዋዕላ በጺኡ። እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ስለ ዝኣምን ከኣ፡ ኣብ ዙሪያ’ቲ ከም መእከቢ ኣስፊርዎ ዘሎ ኣርባዕተ መቆሚ ነጥብታት፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምምጻእ ቃልሱ ክቕጽሎ እዩ። ንዘተን ሓባርዊ ስራሕን ቅሩባት ምስ ዝኾኑ ኣካላትውን ሓድሽ ናይ ዘተ መኣዲ ንምኽፋት ቅሩብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምስ ዘለዎም ሓይልታት`ውን፡ ኣብ ሓደ ውዳበ ንኽመጹ የተባብዕ።
ህዝባዊ ማዕበላት፡ ፖሓኤ ምስ ከሎም ኤርትራዊ ህዝባዊ ማዕበላት፡ ብፍላይ ድማ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሓኤ ተጸንቢሮሞ ኣብ ዝሳተፍሉን ዘለዉ ምንቅስቓስ ንክህሉዎም ዝኽእል ሕጽረታት ብብቕዓት መኪቶም ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቃልሲ ክድይቡ እንዳተባብዐ፣ ሕጋውን ብጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍን ዘይምዝመዝ ኣገባብ ቃልሲ ብምኽታል፡ ንህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ መንግስታትን ህዝብታትን ዝንጽልን ንቑጠባዊ ኣታዊታቱ ዘንጽፍን ክኸውን ንመክር። ብፍላይ ድማ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዘንቐሎ ተጻራሪ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ንዝጸንሐ ምቅትታልን ምጉዳል ኣካላትን መርወይ ድሌት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል ጠጠው ንኽብል ኣትሪሩ ይጽውዕ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት መግዛእቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑን፡ ብሰንኪ ነጻጊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፣ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ዋዕላ ተገንዚቡ። ህዝብና ካብዚ ኣብ ፈቐዶ ዝተሰዶ ሃገር ዝሓልፎ ዘሎ ኣስቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ወጽዓ ንምልጋስ ክቃለስ ዋዕላና ደጊሙ ይጽውዕ። ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕበሉን ክናብዩን ንዝጸንሑ ሃገራትን ህዝብታትን ኣመስጊኑ። ናይ ስደተኛ መሰል ጠሊሞምን ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሶምን ስደተኛ ካብ ሃገሮም ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ክሰጉ ንዝደናደኑ መንግስታት ከቋርጽዎ ንምሕጸን።
ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሕግታት ብምጥሓስን እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት በብግዜኡ ለውጢ ክገብር ዝወሃቦ መተሓሳሰብታት ብምንጻግ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዘይፈለጥ ቦታታት ንዝኣሰሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተራ ሃገራውያንን ኮታ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ግዳያት ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ንኹንኖ። ኩሎም ዝምከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ከሕይሉ ድማ ንጽውዕ።
ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድና፡ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድልየት ውልቀ መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽ ስምምዓትን ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ፖሊሲ ሕድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝተሰረተ ክህሉ መትከላዊ እምነቱ ምዃኑ ፖሓኤ የረጋግጽ። ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት እንደገና ከም ሓዲሽ ዝወዓዋዕ ዘሎ ጉዳይ ናይ “ኤርትራ ትግባኣኒ እያን” ኣፍደገ ባሕርን፡ ናብ ዘየድሊ ውግእ ንኸየምርሕ ዋዕላና ሻቅሎቱ ይገልጽ። ነቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉድያትን ዝምድናን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ስጉምታት፡ ንገዛእ ርእሱ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ብምጥቃስ ከኣ ይነጽጎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ ዝምልከት ዝኽተሎ ፖሊሲ ማእከሉ ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘኽበረ ንክኸውን ዋዕላ ይጽውዕ።
ኣብ ስምምዕ ኣልጅርስ ዝተመርኮሰ፣ ንቐያድን ናይ መወዳእታን ዶባዊ ኣህጉራዊ ብይን ደንሃግ ሓንሳብን ንሓዋሩ ኣብ ባይታ ክትግበር ድማ ዋዕላ ይምሕጸን። ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽነት ክርእይዎ ዋዕላ ይምሕጸን።
ርክብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ፡ ህዝቢ ሱዳን ኩነታቱ ተቐይሩ፡ ናብ ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፣ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ የረጋግጽ። ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተ ተመሊሶም ባህጊ ህዝቦም ከውሕሱ ይጽውዕ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ዞባና ከይተረፈ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ ሱዳን፣ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉን ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተሸሚሙ ንዘሎ ህዝቢ ሱዳን ክሕግዝን ንምሕጸን። ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኣትዩ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኢድ ኣእታውነት ደው ከብል ህዝብና ብትሪ ክቃወሞ ዋዕላ ይጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ይዓንብብ!!
ውድቀት ንገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ!!
07 ነሓሰ 2024
ሚካኤል ሩቢን
ኣሚሪካዊ ጸሓፊ ሚካኤል ሩቢን፡ ናሽናል ሰኩሪቲ ጆርናል (National Security Journal) ኣብ ዝተባህለ መጺሐት ኣብ ዘሕተሞ ጽሑፍ፡ ሎሚ እውን ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ፡ ኣብ ትሕቲ ዝለዓለ ጭቆናን መሪር ወጽዓን ትነብር ዘላ ሃገር ምዃና ኣብ ናይ 23 መስከረም 2024 ጽሑፉ ሓቢሩ። ሩቢን ኣብቲ ጽሑፉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነታ ሃገር ብሓይልን ዓመጽን የመሓድራ ኣሎ ምስ በለ፡ ምርጫ ዝነጽግ፡ ነታ ሃገር ከም ናይ ግሉ ትካሉ ዝሪኣ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት፡ ገደቡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘዘውትር፡ ጉልበት መንእሰያት ብዘይክፍሊት ብመልክዕ ባርነት ዝምዝምዝ ክብል ጠቒስዎ።
ብሰንኪ ምምሕዳር ዲክተረ ኢሳያስ፡ መንእስያት ኤርትራ ናብ ስደት ከም ርሑ ከም ዝግደዱ ብምጥቃስ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ጉዕዞኦም ናብ ስደት ኮነ ኣብተን ዝተሰድወን ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብዝርዝር ኣስፊሩ። ኤርትራውያን ኣብ ስደት ፈቓድ ህግደፍ መሊኦም 2% ናይ ኣታዊኦም እንተዘይከፊሎም እቲ ሳዕቤን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቤተሰቦም’ውን ከም ዘረኻኽበሎም ከኣ ኣቅሊዑ።
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ዝድግፉ ኣለዉ፡ ምስ በለ፡ እዚኣቶም ወይ ብምምሓድር ኢሳያስ ዝርብሑ ወይ ድማ ንስለያ ዝተቖጽሩ ከም ዝኾኑ ዝተጠቐሰ ጽሑፍ ሩቢን፡ እዚ ኣገባብ ካብ ኣሰራርሓ ሰሜን ኮርያ ዝተወስደ ስልቲ እዩ ኢልዎ። ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ እስትራተጂ ንምዕዋት፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘዋፍሮም ደገፍቱ 4ይ ግንባር ከም ዝብሎም ምስጠቐሰ፡ ቀንዲ ተልእኮ 4ይ ግንባር ነቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንናጽነትን ዲሞክራሲን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ምዕንቃፍን ምቅዋምን ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ዝጸንሕ ጐንጽን ግጭትን ከኣ ደገፍቲ ኢስያስ ነቶም ምስ ርኢቶኦም ዘይሰማምዑ ኤርትራውያን ስለ ዘጥቅዕዎም እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንመሰሎም ዝቃለሱ ኤርትራውያን ንተግባራት ደገፍቲ ኢሳያስ ምስቲ ሰማያዊ ማዕበል ኮይኖም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካልእ ከባብን ክምክትዎ ጸኒሖም ድማ ኢሉ። ጸረ ደሞክራሲን ደገፍቲ ኢስያስን ጉጅለታት እዚ ኣንጻሮም ብደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘሎ ቃሲ ንተቐባልነቶም የህስሶ ከም ዘሎ ክርድኡ ምጅማሮም ድማ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ሚካኤል ሩቢን ከም ዘስፈሮ፡ ኣብዚ እዋንዚ ደገፍቲ ኢሳያስ ማሕበረ-ኮማት፡ ነቶም ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣንጻሮም ዝቃለሱ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ምኽሳስ ከም ሜላ ሒዘምዎ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ኣብ ኣሚሪካ ክሲታት ዝተመስረተሉ ግና ድማ እቲ መስርሕ ፍርዲ ጠጠው ዝበለሉ ኣብነታት ኣስፊሩ። እቶም ዘቕረብዎ ክስታት ዘይተዓወተሎም፡ ኣስታት 7 ሺሕ ኣባላት ዘለዉዎም ማሕበረ-ኮማት ደገፍቲ ኢሳያስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምንኣድን ኢስያስን ምድላው በዓላትን ጽብላት ጥራይ ዝተጸምዱ እዮም ኢልዎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ጉዳይ ዝሕዛ ኣብያተ ፍርዲ ኣሜሪካ ሓቀኛታት ክኾና ይግበአን ኢሉ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እውን ነቲ መስርሕ ፍርዲ ብቐረባ ክከታተሎን ክስንዶን ይግበኦ ኢሉ።
ዑመር ኣልበሸር ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ካብ መኪና እናወረደ ኤኤፍፒ)
ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ካለኦት 3 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ነበርን፡ ካብቲ ተዳጒነምሉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ መደበር፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል መረወ ከም ዝተወስዱ መርበብ ሓበሬታ “ሱዳን ትሪቡን” ኣፍሊጣ። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ናይዞም ናይ ቀደም ሓለፍቲ ጥዕናዊ ኩነታት ስለ ዘንቆልቆለ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቶም ወዲ ሰይድና ካብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስዱ ናይ ቅድም መራሕቲ ሱዳን፡ ዑመር ኣልበሺር ፕረሲደንት፡ ዓብደልርሒም መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያታን ዝነበሩ ምዃኖም ጠበቓ ኣልኣሚን ሰይድ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ በክሪ ሑሴን ሳልሕ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ እቲ ጠበቓ ጠቒሱ።
ናይዞም ናይ ቅድም መራሕቲ ጥዕናዊ ጸብጻብ ተዓዚቡን ኣብቲ ወተሃደራዊ መደበር እኹል ሕክምና ከምዘየለ ተረዲኡን ናብቲ ሆስፒታል ንክውሰዱ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ “ብጾት ኣብ ሰራዊት” ዝተባህለ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ጠበቓ ከም ዝጠቐሶ ዑመር ኣል በሺርን እቶም ካለኦት ሓለፍትን ምስ ብዕድመ ምድፍኦም ተተሓሒዙ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝሳቐዩን ናይ ወጻኢ ሕክምናን ቀጻሊ ምክትታልን ከም ዘድልዮምን ገሊጹ።
ጠበቓ ኣልኣሚን፡ ዑመር ኣልበሺርን እቶም ካለኦት ናይ ቀደም ሓለፍትን፡ 5 ዓመትን ፈረቓን ስለ ዝተኣስሩን ወተሃደራዊ ደህንነት ሱዳን ንክፍትሑ ወሲኑ ስለ ዝነበረን ብናይ ሰብ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጹ ጸዊዑ።
በሺርን መተኣስርቱን ብ2019 ካብ ስልጥን ምስ ወረዱ፡ ኮበር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስ ተኸፍተ ድማ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ከም ዝነበሩን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ጋዜጣኛታት፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን
ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጥሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰዱ ባዕላቶም ንመርበብ ሓበሬታ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሮም። ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብየናይ ሃገር ጠዓቚቦም ከም ዘለዉ ዘይገለጹ፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ክስደዱ ዝተገደዱ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘስግእ ምፍርራሕን ምክትታልን ስለ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣፍሊጦም።
እዞም ጋዜጥኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት እቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ከም ኣድላይነቱ ከኣ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ንክትግበር ተባሂሉ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024 ዘብቀዐን ኣዋጅ ፍሉይ ኩነታት እዩ። መስራትን ኣካያድን “ኣልፋ መዲያ” ዝነበረ በቃሉ ኣላምረው እቲ ፍሉይ ኩነታት ምስተኣወጀ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐየ ገሊጹ።
በላይ ማናየ እውን ከም በቃሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝቓይ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ መስራትን ኣካያድን “ኢትዮ-ኒውስ” ዝተባህለ ትካል መድያ ዝነበረ እዩ። በላይ እውን ኣብቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈን ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞን ንመርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።
እዞም ካብቲ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምስጢር ቦታትን መደበራት ፖሊስን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይሳቐዩ ከም ዝነበሩ ጠቒሶም፡ ንክስደዱ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ ናብቲ ዝፈትዉዎ ናይ መድያ ክእለቶም ክምለሱ፡ ብህይወት ክነብሩ ከምዘይክእሉ ስለ ዝተረድኡ ምዃኖም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ኣፍሊጦም።
ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ” ኣብ ዝበሃል መዲያ፡ ደሓር ድማ ኣብ “ኣልፋ ሜድያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ፡ ርትዓውን መሳጥን ዜናታትን ትንትናታትን ብምቕራብ ገኒኑ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ መንእሰይ ጋዜጠኛ እዩ።
ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓላፊ መደብ ስፖርት ዝነበረ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ (ቶፖ)፡ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ሃገር ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጋዜጠኛ ዑቕባ ዝሓተተ ካብ ኤርትራ ናብ ኣብ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሃሰ 2024 ዝተኻየደ መበል 33 ኦለምፒት ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ እዩ።
ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ብዛዕባ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ መግለጺ ዘይምሃቡ፡ ንድሕነቱ ብምስጋእ ምዃኑ፡ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ቀረቡ ኣፍሊጦም። እዞም ብዛዕባኡ ዝሓበሩ ንድሕረ-ባይታኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1999 ኣብ 9ይ ዙር ሳዋ ተሳቲፉ፡ ድሕሪኡ ብ2003 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዝዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሩ ከም ዝተመረቐ ዘርዚሮም።
ተስፋልደት ኣብ ተለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ከም ኣዳላውን ኣቕራብን መደባት ስፖርት፡ ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮን ካላኦት ምድላዋትን፡ ን20 ዓመታት ዘገልገለ ክኢላ እዩ። ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡ ብቶፖ ኤሪ-ኢንተርተይመንት ኣብ እትፍለጥን ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን መደባት ስፖርት ብምቕራብ ዓቢይ ዝና ዝረኸበ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ተስፋልደት ኣብ ኣስመራ እንከሎ፡ ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብን ጸገም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ተገደስትን ነጠፍትን ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ውግእ ጋዛ ንምምልማል ምውሳኑ፡ መዝማዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ስደተኛታት ማሕበረ-ቁጠባውን ህይወትን ዘመዛብል ምዃኑ ኣጠንቂቖም።
መብዛሕትኦም ካብዞም እስራኤል ናብ ውትህድርና ክትምልምሎም ትሓስብ ዘላ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ጥሕሰት መሰልን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምንባር ስኢኖም ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ምዃኖም እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኣገልግለቶም ቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ፈቓድ ክወሃቡ እዮም ብዝብል ግዳይ ይኾኑ ከም ዘለዉ እውን እቲ ዜና በተወሳኺ ገሊጹ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ብምሃብ ናብ ውትህድርና ንምውሳዶም ዝፈጸሞ ተግባር፡ ብዝተፈለላዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ምዃኑ ብምጥቃስ ክነቕፍዎ ከም ዝጸንሐ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሕጂ ንዝተወሰኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘበርከቱ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ውትህድርና ንዘገልገሉ ስደተኛታት ዝተዋህበ ፍሉይ ደረጃ መንበሪ ከም ዘየለ ከኣ ተጠቒሱ።
ነቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻምን ምርካብ መሰል ዜግነትን ከዛምድዎ ዝፍትኑኳ እንተለዉ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ነቲ ተግባር፡ ዘይሞራላውን ጥሕሰት መሰልካ ናይ ምጥቃም ናጽነትን ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ እስራኤል ብጀኦግራፊ ንእሽቶ ብኣሰፋፍራ ህዝባ ድማ ተሃዋሲትን መሓዛ ዘየብላን ብምዃና፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣሰካፊ ከም ዝገብሮ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።
እቶም ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት ከም ዝጠቐስዎ፡ እቲ መፍትሒ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ኣብ እስራኤል ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰግርሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራይ እዩ። ካለኦት ወገናት ከኣ እስራኤል ናይቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ስደተኛታት መሰል ናይ ምሕላው ግደታ ስለ ዘለዋ ሓላፍነቶም ክትወስድ ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም።
ነዚ ብዝምልከት ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብዚ ኣንጻሮም ዝሕሰብ ዘሎ መጻወድያ ብኸመይ ከም ዝድሕኑ ንክሓስብሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት መጠንቀቓታ ይህቡ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ኣስመራ ኣቋሪጹ ናብ ፖርት ሱዳን ክጅምርዩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራኡ ምስ ኣቋረጸ፡ ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ናብ ፖርት ሱዳን ዕለታዊ በረራ ከም ዘካይድ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ በረራ ናብ ፖርት ሱዳን ዝተሰርዐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣብ ቻይና ተራኺቦም ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራኡ ካብ ዝቋረጸሉ ምኽንያታት ሓደ ኣብ ባንክ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ናቕፋን ወጻኢ ሸርፍን ሕሳቡ ተዓጽዩ ገንዘቡ ኣንቀሳቒሱ ናብ ኢትዮጵያ ከመሓላልፍን ደሞምዝ ሰራሕተኛ ክኸፍልን ስለ ዘይከኣለ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ተዓዘብቲ ግና ብመሰረቱ ነቲ ምቁራጽ ቀንዲ ዝደረኸ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናሓደረ ዝሃስስ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ፖርትሱዳንን ብመተማ ዝጸንሐ ኣጸጋሚ ናይ መሬት መጐዓዝያ ዘቃልል ክኸውን እዩ። ክሳብ ሕጂ ናብ ፖርትሱዳን ክትበርር ዝጸንሐት መንገዲ ኣየር ግብጺ ጥራይ እያ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፖርት ሱዳን ናይ ኣየር ርሕቀት 736 ማይልስ (1,184 ኪ/ሜ) ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከኣ 436.12 ማይልስ (701.78) ኮይኑ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ፖርት ሱዳን ከኣ 306 ማይልስ (492 ኪ/ሜ) እዩ።
ኣብ ሓያል ምትህልላኽ ኣትዮም ዘለዉ፡ ጌታቸው ረዳን ደብረጼን ገ/ሚካኤልን
ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ውድብ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ተኣሚኑ። ንሱ ነዚ ዝግለጸ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፡ ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ወገን ኢደ-ወነናዊ ጉባአ ዘካየደ ብድሕሪት ዝኣምኖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ” ንዝበሎ መልሲ ንምሃብ ብዝዓለመ እዩ።
ከም መግለጺ ዶር ደብረጼን ነቲ ርክብ ብፈጻሚ ኮሚተ ተመዚዙ ዘካየዶ ኣቶ ጌታቸው ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እውን ከም ዝፈልጦ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ “ዛራ መድያ ኔትዎርክ” ትካል ዩቱብ፡ “ካብ ምንጭታተይ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል እቲ ቀዳማይ ርክብ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጎ ጌታቸው ረዳን የማነ ገብረኣብን ከም ዝተኻየደ ጠቒሳ፡ ደሓር ግና ብወገን ጌታቸው ኣብ ሃዘሞ ዳግማይ ንምርኻብ ክቕበል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና ኣብ ምጽዋዕ ንራኸብ ስለ ዝበለት ምርድዳእ ስኢኖም ከም ዝተቋረጸ ሓቢራ። እንተኾነ እቲ ርክብ ብመንገዲ ጌታቸው ምዃኑ ተረፊ ካልእ ሰብ ብምትካእ ከም ዝቐጸለ ዝሕብሩ ወገናት ኣለዉ።
ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መንጎ’ተን ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ብጌታቸው ረዳን ዝምራሓ ጉጅለታት ህወሓት ምክሕሓድ ዝፍጠር ዘሎ፡ ኣብ ዕላማ ናይቲ ርክብ ስለ ዝተፈላለዩ እዮም ዝብል ግምት ኣለዎም።
እዚ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ነቲ ቀጻሊ ሰላም ከስፍን ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ሎሚ ግና ኣብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዘሰሓሕብ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ።
More...
ክሳብ ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም ተጋሩ ወተሃደራት ነበር ተፈቲሖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሚኒስትሪ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም 178 ተጋሩ ቅድም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ብ10 መስከረም 2024 ብናጻ ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እዚ ብናጻ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ዝተወሰነ፡ እቶም ግዳያት ብዘቕረብዎ ናይ ምሕረት ሕቶ መሰረት እዩ። እቲ ብኣዋጅ ቁጽሪ 840/2006 ዓንቀጽ 3 ዝቖመ ናይ ምሕረት ቦርድ በቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝሓደሮም ጣዕሳ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝወሰነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዞም ብናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ዕማም ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ክሳብ ሞትን ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርትን ዝተፈርዱ ኣብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ምስ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ፈጢሮም ብዝብል ብክድዓት ሃገር ስለ ዝተኸሱ ምንባሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እዞም ሎሚ ዝተፈትሑ ኣካል እቶም ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ወተሃደራት ምዃኑ ተጠቒሱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሚራብ ኣባያ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 83 እሱራት ወተሃደራት ተጋሩ ዝነበሩ ብግፍዒ በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ከም ዝተቐትሉ ጽሒፉ ከም ዝነበራ ኣብዚ ምፍታሕ 178 ወተሃደራት ዝሓበረ ጸብጻብ ተመልኪቱ።
በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይዞም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ 178 ወተሃደራትን ናይ ካለኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ውግእ ምፍታሕ ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ምቑራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ ናይዞም ተፈሪዶም ዝነበሩ ምፍታሕ ኣካልቲ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይምለስ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ።
ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ሃዲያ ሓሰበላ
ነጠፍቲ activists ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሃገረን ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ቀረብ ክማላእን ምሉእ እገዳ ኣጽዋር ብምትግባር፡ ውሕስነት ብዘለዎ ወግእ ክቋረጽን ከም ዝጸወዓ ማዕከን ዜና “ሱዳንስ ትሪቡን” ኣፍሊጣ።
ሃዲያ ሓሰበላ ዝተባህለት ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ንምቁራጽ ተኹስን ረዲአት ዝቐርበሉ ኣፍደገ ምኽፋትን እዋናዊ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዋናዊ ኣጀንዳ እዩ ክትብል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ንተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ መላእ ሱዳን ቀረብ ኣጽዋር ክቋረጽ፡ ሓለዋ ሲቪል ሕበረተሰብ ክግበርን ሰብኣዊ ቀረብ ብስሩዕ ክቕጽልን ክንሰማማዕ ይግበኣና” ከም ዝበለት እቲ ዜና ጠቒሱ።
ሃዲያ ሓሰበላ ኣተሓሒዛ፡ ንግዝያዊ ሰላም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንቐጻሊ ዘተኣማምን ሰላምን ንሰውራ ታሕሳስ ናብ ንቡር ንምምላስን ክንሰርሕ ይግበኣና ከም ዝበለት እውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣካላት ሃገራዊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላም ከም ዝግለሉ ክንገብር ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣንጻርቲ ሲቪል ሕብረተሰብ ንምክፍፋል ዝግበር ምንቅስቓስ ንክስለፋ ጸዊዓ።
ናይዚ ኣብ ካምፕላ ዋዕላ ዘካየደ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ዝሓቖፈ ትካል ምክትል ፕረሲደንት ቡታይና ዲናር ብወገና፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ውግእ መብጸዓታት ሰውራ ታሕሳስ ንምምላእ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን እዩ ኢላ፡ ግደ ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘጉልሕ ኣጀንዳ ንክዓስላ ጸዊዓ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ከይትሰጉግ ተማሕጺኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቱርክ ኣዲን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ኣብ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከም ዝወደቑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣምንስቲ ከም ዝገለጾ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ ኣብየቶ ኣብ ዝበሃል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ጌና ኣብ ቱርክ ተታሒዞም ዘለዉ ብዘይድሌቶም እንተተሰጒጎም እውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኩነታት እቶም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣገዲድካ ናይ ምስጓጎም መደቡ ኣቃሪጹ ብመሰረት’ቲ ብ1951 ዝፈረሞ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ነዞም ኤርትራውያን መሰል ዕቑባኦም ከኽብረሎም ጸዊዑ።
ኣምንስቲ እቶም ግዳያት ንቐረቦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝሓበርዎ፡ ንክስጎጉ ተዳለዉ ከም ዝተባህሉን ናይ መግቢ፡ ሕክምና፡ ክዳንን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ጸገም ከም ዘለዎም ምሕባሮም ጠቒሱ፡ ብዛዕባቲ ዝተወሰኖም ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላሶም ነብሶም ናይ ምክልኻልን ሓሳቦም ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዝተነፍጎም ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ተመለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ዝዝከር እዩ።
ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብዘይክስን ብዘይፍርድን ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ዜጋታትን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላት ብተደጋጋሚ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ፊትንፊት
ሓደ መድረኻዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝተለምደ እዩ። ኣብ ኤርትራ 16 ዝበጽሓ ብወግዒ ዝዝከራ ዓመታዊ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከም ዘለዋ ይንገር። ካብኣተን ሓንቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እያ።
ከምቲ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ 24 ጉንበት ክንጠቅስ ናይ ግድን ዝኸውን፡ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ከኣ ባሕቲ መስከረም፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ጓሲኻዮም ዘይሕለፉ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ፡ ጐቦ ኣዳልን ምጅማር ተሓኤን ክለዓሉ ዝቐነዩ። እቲ ኣለዓዕላን ኣመዛዝናን መሰረቱ ከይሰሓተ ከከምቲ መልዓሊኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ነቲ ታሪኻዊ ተረኽቦ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ሜላታትን ምቕናዩ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ደረት ሓሊፉ ክሳብ “ብሰብ ዝተሳእለ ሓሳባዊ እምበር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝበሃል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣይነበረን። ጐቦ ኣዳል ዝበሃል ቦታ ከኣ ኣብ መሬት ኤርትራ የለን”፡ ክሳብ ምባል ክብጻሕ እንከሎ ግና፡ በሃልቱ “ኣይፋል ናብ ቀልብኹም ዳኣ ተመለሱ” ክበሃሉ ዝግባእ እዩ።
ታሪኻዊ ጥምረት ዓዋተን ኣዳልን ብዙሓት ኤርትራውያን ብዕምቆትን ስፍሓትን ኣጽኒዖም ዝመዝገብዎ ኣብ ርእስሲ ምኳኑ፡ ነቲ ኣካል ባህርያዊ ትዕድልቲ ኤርትራ ዝኾነ ጎቦ ኣዳል የለን ምባል ከኣ፡ ኣቀማምጣ መልከኣ-መሬት ኤርትራ ዘይምፍላጥ ወይ ነቲ ጎቦ ኣልዒልካ ንኻልኦት ምዕዳል እዩ ዝመስል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣቐዲሙ’ውን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንሓርበኝነት ዓዋተ ክሳብ ብሽፍትነት ዝገልጽ ፈተነ ክሕደትን ምንእኣስን ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈተነ ስለዝነጸጎ፡ ኣብ ምጅማርን ጀማሪኡን ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ክእመኑን ተገዲዶም እዮም። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ናይ 2024 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ኣዝዩ ሓጺር መግለጺ’ኳ ስም ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ክጠቅስ ኣይደፈረን። እዚ ከምዚኡ እንከሎ ብዛዕባ ዓዋተን ገድሉን ኣብ ጉግልን ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ ሰነድትን’ውን ሃሰስ ኢልካ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ካብቲ ሰፊሕ ታሪኽ ቁሩብ ቀንጪብካ ምጥቃስ ከኣ ይከኣል።
“ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ብ1910 ኣብ መንጎ ተሰነይን ጐልጅን ኣብ እትርከብ ዓዲ ገርሰት ተወሊዱ። ሓረስታይ ወላዲኡ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮ፡ ንወዱ ሓሚድ ኣብ ንኡሱ ዕድመኡ ኣጠቓቕማ ብረት ዓሊምዎ። ኣብ 1935 ድማ ሓሚድ ወተሃደር ኢጣልያ ኮይኑ ተኸቲቡ። በቲ ዝነበሮ መንቋሕቋሕታ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ሮማ ኢጣልያ ተላኢኹ። ድሕሪ ትምህርቱ ብግቡእ ተኸታቲሉ ምምላሱ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ተኸታታሊ ጸጥታ ኮይኑ ተመዲቡ ሰሪሑ። ሓሚድ ንቁሕ ስለ ዝነበረ ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ናራ፡ ሕዳርብ፡ ኩናማ ከምኡ ድማ ጥልያን ይመልኽ ነይሩ። ድሕሪዚ ኩሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጠዓሞን ምስ ምምሕዳር ኢጣልያ ስለ ዘየሳነየን፡ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።
ኣቦመንበር ፓርላማ ኤርትራ ዝነበሩ ሼኽ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝርከብዎም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ምሁራትን ተመሃሮን ኣብ 1960 ኣብ ከተማ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) መስሪቶም። ድሕሪዚ ኣብ ሜዳ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተሓኤ መን ይምረሓዮ? ምስተባህለ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስቲ ዝነበሮ ትብዓትን ናይ ብረት ልምድን እሞ ምስቲ ዘርኣዮ ቅሩብነት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንእተበሰር ጉጅለ ክመርሕ ተመዚዙ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ድማ ካብ ከተማ ኣቑርደት ንወገን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ጐቦ ኣዳል ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ውግእ ብምክያድ መሪሕነታዊ ተልእኮኡ ኣበሲሩ። ብ28 ጉንበት 1962 ድማ ተሰዊኡ ኣብቲ ዝተሰወኣሉ ቦታ ብምስጢር ተቐቢሩ። ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ከብቲ ገለ ወገናት ክብልዎ ዝፍትኑ፡ ዘይነበረ ክነሱ ብሓሳብ ዝተሳእለ ዘይኮነ፡ ህያው ነይሩ ዶር ከራር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተባህለ፡ ተማሂሩ ዝወለደን ዝዘመደን ዉዱ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኤርትራ ክዛረብ ዝስማዕን ዝረአን ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቅዚ ክሒዶም ኣይነበረን ወይ ብረታዊ ቃልሲ ኣየበሰረን ዝብሉ ወገናት እምበኣር፡ ኣብ “ሰብነቶም” እውን ጸገም ዘለዎም እዮም። ነቲ “ጐቦ ኣዳል” ዝብል ምስቲ ገለ ኢትዮጵያውያን ደረስትን ተረኽትን “ናይ ዓፋር ናይ ቀደም መጸውዒ ኣዳል እዩ ነይሩ” ዝብልዎ ከጋጭውዎ ይስምዑ እዮም።”
ኣብ ታሪኽ ክንነብርን ቀዳሞት ብዝሰርሕዎ ጥራይ ክንንየትን’ኳ ቅኑዕ እንተዘይኮነ፡ ታሪኽካ ምርሳዕ፡ ምኽሓድን ምንእኣስን ግና ሎሚኻን ጽባሕካን ዝዘርግ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ሕጽረታት ታሪኽና ምኳኑ ተቐቢልና፡ ንናይ ትማሊ ፍጻመ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እምበር፡ ሎሚ ብዘሎ ኩነታት ምምዛኑ ናብ ጌጋ እዩ ዝወስድ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ኩነታትን ሎሚ ዘሎ ሓፈሻዊ ምዕባለን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ። ካብዚ ክንብገስ እንከለና፡ ብረታዊ ቃልስና ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ካብቲ ናይ 1961 ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝሕዝ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን።
ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ንምዕባለ መራኸብታት ጥራይኳ እንተወሰድና፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ መልእኽቱ ከበሳ ንክበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብማዕዶ ኣብ ከበሳ “መሸላ ዘሪአ ዕፉን ከይሸወተ፡ ኣነስ ክኸይድ እየ ናብ ወዲ ዓዋተ” ብዝብል ዝተደርፈ፡ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት እቲ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኩነታት መራኸቢ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ነይሩ ክነሱ እቶም ናይ ሽዑ ተቓለስቲ ከም ሎሚ ብፈይስቡክን ብኢመይልን ዘይኮነ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ነቲ ብስራት ናብ ገጠራትን ከተማታትን ንምብጽሑ ዝገብርዎ ጻዕሪ መስተንክራዊ ነይሩ። ሎሚ ከምቲ ናቶም ሕራነ ለቢስና በዚ ዘሎ ምዕቡል መራኸቢታት ተጠቒምና ከነድምዖ ካብ ዝነበረና ክሳብ ክንደይ ድሒርና ከም ዘለና ክንግንዘቦ’ሞ ብሕራነ ክንበገስ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ።
ስለዚ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ካብቲ ንመሰረተ-ሓሳብ ሰውራና፡ ጀመርቱን ቀጸልቱን ሓርበኛታት ካብ ምንእኣሶም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ድማ ክሳብ ምኽሓዱ ዝዓርግ ዘሎ ወስታታት ህልውን መጻእን ቃልስና ጽኑዕ መሰረት ከምዘይህልዎ ዝገብር እዩ’ሞ፡ “ካብ ከምኡ ንርሓቕ” መልእኽትና እዩ።