ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብ30 መጋቢት 2023 ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝጽውዕ ብ“ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንፍትሒ” ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ። ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዖም።
ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ለንደን ፊትንፊት ኤምባሲ ሱዳን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ናብ መንግስቲ ሱዳን መዘክር ከቕርቡ እንከለዉ፡ ኣብቲ መዘክሮም “ውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ይተሓሎ፡” ዝብል ጭረሖ ኣንጸባሪቖም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዘይምኽኑይ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክቋረጽ ብትሪ ከም ዝጸውዑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝተፈላለዩ ምስምሳት ብምፍጣር ብኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ከም ዝእሰሩን ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ድማ ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ዝበጽሕ ብነፍሲ ወከፍ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱን ዝፍለጥ እዩ። ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ከም ዝብልዎ፡ ኩነታት ብከምዚ ደረጃ ንክጋደድ ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እቲ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ እዋንዚ ምዕጻዉ እዩ።
ኣብዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ብቐጻሊ ድምጾም ክስማዕ ዝጽውዕሉ ዘለዉ ግዜ፡ እዚ ናይ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካልእ ከባብታት ዓለም እውን ክቕጽል ዝግበኦ እዩ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ኩነታት ሱዳን ብ1951 ዝኣተወቶ መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ዝጥሕስ ምዃኑ ብምጥቃስ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ኣብቲ ናብ ኤምባሲ ሱዳን ዘቕረብዎ መዘክር ኣስፊሮም።
ላዕለዎት ወ/ሮ ኬርያን ዶ/ር ኣብረሃምን፡ ታሕተዎት ኣቶ ዱሩይን ዶ/ር ኣዲስኣለምን
ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ፕረሲደንት ትግራይ ነበር ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤልን ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ፈደራል ብገበን ተኸሲሶም ናይ ዝነበሩ ሓለፍቲ ትግራይ ክሲ ብ30 መጋቢት 2023 ሰሪዙ። ድሕርቲ ምስራዝ ክሲ ክልተ ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ካብ ዝተፈትሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይ ዝነበሩ፡ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም ኣደመንበር ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበራ፡ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ድሕሪ ብደረጃ ፈደራል ሚኒስተር ገንዘብ ኮይኖም ምግልጋሎም፡ ምክትል ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበሩ፡ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባለማ ብደረጃ ፈደራል ዳይረክተር ፖሊሲን ምርምርን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበሩን ኣቶ ድሩይ ኣስገዶም ኣቦመንበር ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲንባን ምዃኖም ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም ተማሪኸን ዘይኮኮና ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ከተም መቐለ ባዕለን ኢደን ዝሃባ እየን። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ 42 ኣብ መዝገብ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ዝተኸሱ ክምስክራ እሞ ክፍተሓኳ ተበይኑለን እንተነበረ፡ “ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ኣይምስክርን” ስለ ዝበላ እየን ክሳብ ሎሚ ተኣሲረን ጸኒሐን። ኣቶ ድሩይ ኣስገዶም ድማ ኣቦመንበር ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲንባ ኮይኖም፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ጀሚሮም ብዘይፍርዲ ተዳጒኖም ዝጸንሐ ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።
ናይዞም ዝተፈትሑ ሓለፍቲ ጠበቓታት ኣተሓባባሪ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ብ30 መጋቢት 2023 ዝተፈትሑ እዞም ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ መዝገብ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል 16 ካብ መዝገብ ጀነራል ታደሰ ወረደ ድማ 20 ሲቪልን ወተሃደራውን ክሱሳት ከም ዝተፈትሑ ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ካለኦት ምንጭታት ከኣ ቁጽሪ ናይቶም ዝተፈትሑ ተጋሩ 62 ከም ዝበጽሕ ሓቢሮም። ምፍታሕ ናይዞም እሱራት ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብ28 መጋቢት 2023 ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓመታዊ ጸብጻብ 2022፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ እምበር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከምዘይተመሓየሸ ሓቢሩ።
ኣምኒስት ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ-2022 እውን ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ምእሳር ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ፖለቲከኛታት፡ ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፡ ገደብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ቀረባትን ጥሕሰት ሰብኣዊ ሕግታትን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት ከመሓይሽ ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ዘይምውሳዱ ኣስፊሩ።
እቲ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ፡ ህግደፍ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ውትህድርናን ምስኡ ተተሓሒዙ ክኽሰት ዝጸንሐ፡ ምዝመዛ ጉልበት መንእሰያትን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መደበራት ታዕሊምን ካልእ ኣጋጣምታትን ከምዘይተመሓየሸ ተጠቒሱ። ኣምኒስት ካብዚ ዛዕባዚ ከይወጸ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ሰፊሕ ግፋን ኣብ ልዕሊቶም ደቆም ዝተሰወሩ ስድራቤታት ክፍጸም ዝጸንሐ ዝተፈላለየ በደላትን ጠቒስዎ።
ኣምኒስት ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ ካልእ ነጥቢ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 47 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክንሳ፡ ንኽብሪ እቲ ባይቶኳ ዝኾነ ኣውንታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኮነ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ብምኽባር ዘይምትሕብባራ እዩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራ እቲ ብ2012 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ብዝምልከት ሰብኣዊ ኩነታት ከጻርን መፍትሒ ሓሳብ ከቕርብን ዝተመዘዘ ፍሉይ ኮሚሽን ኣትዩ ንከጻሪ ንዝቀረበላ ሕቶ መልሲ ዘይምሃባ ከም ዘተሓሳስቦ ሓቢሩ። ብኣንጻሩ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ሰፊሕ ስግረ-ዶባዊ ግህሰት ከም ዝፈጸመ ጸብጺቡ።
ኣብ ርእሲዚ ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃ በይና፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት፡ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ህዝበን ከታበትን ካልእ ሓገዝን ከይረክብ ኣፍደጊኤን ዝዓጸዋ ሃገራት ምዃና እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣምኒስቲ ኣቃሊዑ።
ምስሊ መደበር እምኩሉ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ
ኣብ ኤርትራ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣስታት 10 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ እንኮ መደበር ስደተኛታት ኣብታ ሃገር፡ ኣብ መወዳእታ 2022 ምሉእ ብምሉእ ከም እተዓጽወት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብዛ መደበር ዝነበሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብዛ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ መደበር ስደተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 3 ሺሕ ዝበጽሑ ሶማላውያን ስደተኛታትኳ እንተነበሩ መብዛሕቶም ኣብ ከባቢ 2019 ተገዲዶም ከብታ መደበር ከም ዝለቐቑ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2018 ጀሚሩ ነቲ መደበር ናይ ምዕጻው ድሌት ከም ዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብ ከባቢ 2019 ኣስታት 2,100 ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብታ መደበር ከም ዝነበሩ ጠቒሱ። ኣብቲ ዓመት ብህግደፍ ብዝሓደሮም ስግኣት 1, 300 ዝኾኑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩ እቲ ኮሚሽን ኣብቲ እዋንቲ ብዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን መንግስቲ ኤርትራ መሰል ስደተኛታት ከኽብርን ብኢደወነንካ መደበር ዓጺኻ ንስደተኛታ ናብ ሶማሊያ ምስዳድ ዘይሰብኣዊ ብምዃኑን ከጠንቅቕ ከም ዝጸንሐን ሓቢሩ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ መደበር ስደተኛታት እምኩሉ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ጨካን ኣሰራርሓ ህግደፍ እቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ንስደተኛ ዝፍቀድ መሰል ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስን ኣብታ ሃገር መንበሪ ፈቓድ ምርካብን ተነፊግዎም ከም ዝጸንሐ ምሕባሮም እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ስደተኛ መሰሎም ተገፊፉ ብዘይድሌቶም ናብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክጽንበሩ ወይ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዘይፈልጦ ሑቡእ መደበር ክዳጐኑ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ።
ምምሕዳር ህግደፍ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣብ መደበር እምኩሉ ዝተዓቖቡ ስደተኛታት ዝወሰዶ ዘይሰብኣዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛት ክድገም ተንኮላት ይምህዝ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ኣቦመንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ (ዉኣት ሓርነት)፡ ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሱዳን ከሰላ ናብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር መደበር ከም ዝበጸሓ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ። ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ መገሻኡ ኩነታት ናይቶም ኣካለ ጽጉማን ብኣካል ተዓዚቡ ምስኣቶምን ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ ማሕበርን ድማ ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብዚ በዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ዝቀራርበሉ ዘሎ ቅነ፡ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ 2023 ነዚ ማሕበር ኣብ ዝምልከት ሰፊሕ ርክብ ክካየድ ከምዝኮነ ካብዝዘርግሖ ምልክታት ምርዳኣ ተኻኢሉ ኣሎ። ካብ ጨናፍር ማሕበር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ነቶም ጽጉማን ሓገዝ ናይ ምእኻብ ናዝ ድራር ምስዮታት ርክባት ዝግበር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ጀርመን ዝርከብ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኩሎም ግዱሳት ዝሳተፍዎ ንዕለት 01 ሚያዝያ 2023 ዝግበር ናይ ድራር ምስዮት ጸውዒት ኣቕሪቡ፡ ብኣካል ምኽንያታት ክሳተፉ ዘይከኣሉ ግዱሳት ብሕሳብ ባንክ Eritreischer Verein 2010 – 60439 Frankfurt a.M. BLZ 50010060 BIC PBNKDEFF IBAN ክልግሱ ከም ዝኽእሉውን ተገሊጹ’ሎ።
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ኮሎም ኤርትራውያን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ነዞም ብውግእን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ኣካሎም ዝጐደለን ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝሳቐዩ ዘለዉን ኤርትራውያን ክልግስዎ ንዝጸንሑ ኣመስጊኑ። ኣብ መጻኢ እውን ሓገዞም ከይፍለዮ ተላብዩ።።
ስዊዘርላንድ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ከተስግር መደብ ኣለዋ ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋር እማመ ከም ዘለዋ ሬድዮ ኤረና ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። ነቲ እማመ ዘቕረቡ ስዊዘርላንዳዊ ቆንስል ዳምያን ሚዩለር፡ ነቶም ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ቅሩባት ዝኾኑ ምፍናው ቀዳምነት ከም ዝወሃብ ጠቒሶም፡ ድሕሪዚ ዝስራዕ መደብ ከኣ ናብ ዘይጠቐስዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስግጋር ምዃኑ ምሕባሮም እቲ ዜና ኣረዲኡ። እዚ ናይ ምስግጋር መደብ ብዝበዝሑ ኣባላት ቆንስላኳ ተቐባልነት እንተረኸበ፡ ክትግበር ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ዝተወከሰቶም ኣካላት ከም ዘረጋገጹላ እታ ሬድዮ ጠቒሳ።
እቶም ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝጥረዙ ዜጋታት ከምዘይቅበል ጠቒሶም፡ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፡ 336 ናይ ዑቕባ መሰል ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣቐዲማ፡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ንክትቅበል ምስ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ክትሰማማዕ ዝጸንሐት ሩዋንዳ፣ ከም ቀዳመይቲ ምርጫ ናይቶም ኣባል ቆንስል ስዊዘርላንድ ጠመተ ከም እትኸውን ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ። ሩዋንዳ ከም ኣምሳያ ናይቲ ብቕዓት ዘይብሉ ናይ ስደተኛታት ኣተሓሕዛኣ፣ ብርክት ዝበለ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክትረክብ ጸኒሓ እያ። በዚ ድማ ንጉዳይ ንስደተኛታት ከም ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትጥቀመሎም ኣላ ዝብል ክሲ ክቐርባ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ 2021 ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ዝመሳሰል ውሳኔ ዘሕለፈት ዴንማርክ፡ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥራዝ መስርሕ ብወግዒ ከምዘይጀመረት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፈረንሳ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ስደተኛታት ክረኽብዎ ዝጸንሑ መሰላት ዝገትእ ውሳኔ ከተሕልፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክኾኑ ዘካየዶ ምርጫ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ከም ዝጸደቐ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ23 መጋቢት 2023 ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ምርጫ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብደረጃ ፈደራል ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር ዓንቀጽ 6/9ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 259/1995 ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ንክምስረት ብዘውጸኦ ኣዋጅን መሰረት ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ትግራይ ክመርሕ ዝጸንሐ ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ድሕሪ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ምውጻኣ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ንናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ፕረሲደንት ትግራይ ምምዛዝ ዘለዎ ደገፍ ጠቒሱ፡ ህወሓት ባህግታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ቃልሳ ከም እትቕጽል ብምጥቃስ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ብ24 መጋቢት 2023 በኹሪ መግለጺ ሂቡ። ኣብቲ መግለጺኡ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝወረደ ዕንወት ብምዝርዛር ኣስፊሩ። እቲ ዕንወት ኣብ መጻኢ ዳግመ-ህንጸት ትግራይ ዓብይ ብደሆ ከም ዝኸውን እውን ጠቒሱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ መኸተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓድን ወጻእን ንዘርኣይዎ ጽንዓት ንኢዱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ራህዋ ናብ ዝወስድ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ ርእስ’ቲ ሰፊሕ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህንጸት፡ ምምላስ ሕገመንግስታዊ መሬት ትግራይ፡ ሕቶ ውጉኣት ምምላስን ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ቀዳምነት ዝሕዙ መደባት ምዃኖም ኣመዝጊቡ። ምስ ጐረባብቲ ትግራይ ናይ ሰላም ሃዋህው ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ መግለጺኡ ከጠቓልሉ እንከለዉ ድማ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ንክብጻሕ ንዝጸዓቱ ወገናት ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ኩሎም ወገናት ኣብ ዳግመ-ህንጻ ትግራይን ምስራጽ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ምስ’ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክተሓባበሩ ጸዊዑ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብ22 መጋቢቲ 2023 ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ከም ዝወጸት ምንጭታት ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ፈደራላዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዘረድኦ፡ ኣብዚ ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ ዝወሰነሉ ፍሉይ ኣኼባ ካብቶም 547 ኣባላት ዝተሳተፉ 280 ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ብድምጺ ብልጫ ዝሓለፈ ውሳነ 61 ተቓውሞን 5 ተዓቅቦን ከም ዝተመዝገበ ካብቲ ዜና ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ብዛዓብቲ ኣጀንዳ መብርሂ ዘቕረቡ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ጽልዋ ዝጸንሐን ልዕሊ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዋን ህወሓት፡ ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ/ግብረ ሽበራ ምውጸኣ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብቲ ፓርላማ ወኪል ፈደራላዊ መንግስቲ ኣቶ ተስፋየ በጅገ ብወገኖም፡ እቲ ህወሓት ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ክትሰፍር ዝተወሰነሉ ግዜ ዝነበረ ኩነታት ድሕሪ ውዕል ሰላም ከም ዝተቐየረ ዘረድእ መብሪ ሂቦም።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝሰፈረት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ “ጸረ ሕገመንግስታዊ መንገዲ ተኸቲላ” ብዝብል ፓርላማ ኢትዮጵያ ብ6 ጉንበት 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኮይኑ፡ ሎሚ እዚ ውሳነ ተቐይሩ ካብቲ መዝግብ ዝወጸት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዃኑ ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ብሰፊሑ ተገሊጹ።
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሮም ካብ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ዘለዉ ኮይኖም፡ ጌና ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ወሲኽካ ብዙሓት ሕቶ ዘልዕሉ ጉዳያት ተሪፎም ከምዘለዉ ዝዝከር እዩ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ 2022 ናይ ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ ምውጻኡ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ክልል ትግራይ ገበን ኣንጻር ማሕበረሰብ ከም ዝፈጸሙ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ውግእ ኩሎም ወገናት “ገበን ውግእ” ምፍጻሞም ከም ዝርድኡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ምግላጾም ኤ ኤፍ ፒ ሓቢራ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሚሪካ ብሊንከን ነዚ ክገልጹ እንከለዉ፡ እቲ ተግባራት ብዘይፍላጥ ዝተፈጸም ተራ ተግባር ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ተሓሲብሉ ዝተፈጸመ ገበናት ምዃኑ ምጥቃሶም ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ብሊንከን ኣተሓሒዞም ድሕሪ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣሜሪካ ምላሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ”ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ዕጡቓት ኣምሓራን” ብዝብል ዘርዚሮም፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኩሎም “ገበን ውግእ” ከም ዝፈጸሙ ድሕሪ ብጥንቃስ፡ ነቲ ገበናዊ ፍጻመ ብምምዛንን ምስ ሕግታት ብምግንዛብን ገበን ከም እተፈጸመ ተረዲአ ኣለኹ ኢሎም።
ብሊንከን ዝያዳ ንምብራህ ብዝብል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ብዝያዳ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ መልክዕ ጥሕሰታትን ከም ዝፈጸሙ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ ብፍሉይ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ገበን ምምዝባልን ግዱድ ምስጓጉን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምፍጻሞም ዘርዚሮም።
ነቲ ኩነታት ኣብዚ እዋንዚ ምግላጹ ኣድላይን ኣገዳስን ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ መገሸኦም ናብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ቀጻሊ ሰላም ንክህሉ ነቲ ዝተፈጸመ ገበናት ኣፍልጦ ምሃቡ ኣገዳሲ ብዛዕባ ምዃኑ ከም ዝተመያየጥሉ ሓቢሮም።
ቀዳም 18 መጋቢት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ብዙሓት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ቀንዲ ዋኒኑ ኣብ ሓምለ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝካየድ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ከመይ ዕዉት ይኸውን ዝብል ኮይኑ ብዝርዝር ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፡
1) ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ዘድልዮ ባጀት ከመይ ነዳሉ
2) ብናይ ሰነድ ሽማግለ ድሮ ተነዲፎም ናብ ምሉኣት ኣባላት ተዘርጊሖም ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ዞባና ከመይ ይመያየጠሉን የሀብትሞን
3) ኣብ ሓጻዪት ሽማግለ ዝለኣኸቶ መምርሒታት ክህልዉ ዝኽእሉ ሕቶታት ምርኣይ
4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ምርኣይ
5) ኣብ ወርሒ ሰነ ቅድሚ ጉባኤ ንድልውነትና ክመዝን ዝተዳለወ ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር ከመይ ንዳለወሉ ዝብሉ ኔሮም።
ኣባላት ሰልፊ ኣብ ነፍስወከፍ ኣጀንዳ ብዕምቆት ብሱል ዘተ ኣካይዶም።
1) ዕዉት ጉባኤ ክነካይድ እኹል ባጀት ክህሉ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ ወሳኒ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ኣብ ርእሲ’ቲ ድሮ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ወፈያ ብዘደንቕ ልግሲ ቀጺሉ። ብዘይካ’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዋጸአን ዝቕጽል ዘሎን ወፋያታት ካብ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑን ነብሶም ዝኸኣሉ ደቅናን ተደናገጽቲ ሰልፍናን ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ሞራል ኩሉ ኣባል ሓፍ ዘበለ ኔሩ።
2) ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰልፊ፡ ኣብ ጉባኤ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክንመያየጠሎም እኹል ግዜ ስለዘይህሉ ነፍስወከፍ ጨንፈር ተመያይጦም ኣብ’ቲ ንድፊታት ዝህልዎም ርእይቶታት ናብ ናይ ሰነድ ሽማግለ ዝሰድሉ ቅጥዒን መምርሒን ተገሊጹ። እዚ መስርሕ’ዚ ድሮ ጀሚሩ ዝኸይድ ዘሎ እዩ።
3) መስርሕ ሕጸ በጺሑዎ ዘሎ መድረኽ ብኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ተገሊጹ። ኣብ ዝተላእኸ መምርሒ ዝነበረ ሕቶታት ተመሊሱ። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድሚ ጉባኤ ክሰላሰል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ በሪሁ።
4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ብቅዋም መሰረት ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ብዝርዝር ተራእዩ። ዝቐረቡ ሕቶታት ተመሊሶም። እዚ መስርሕ’ዚ እውን ድሮ ተጀሚሩ ዝትግበር ዘሎ እዩ።
5) ዕለታትን ሰዓታትን ናይ ቅድሚ ጉባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰሚናራት ተሓቢሩ። ኩሎም ኣባላት ብዝተኻእለ መጠን ክሳተፍዎን ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣዳልዮም ክመጹን ለበዋ ተዋሂቡ።
መላእ ኣባላት ዝዓግብሉን ሞራልን ንያትን ሓፍ ዘበለ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎ ኮይኑ ተዛዚሙ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
19 መጋቢት 2023
More...
ጎቦ ተጎሩባን ካብ ጀጋኑኣን
ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ 1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። ናይ 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረ ዝሓለፋ ዕለትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 59 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።
ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማ፣ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም ልዕሊ 80 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ሓይልኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ ((ኣቡ ርጀላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።
ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጀላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)
ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ፍሉይ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 59 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።
ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ። ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግቡእን ብጽሒትን መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።
ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነት እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ናይ ሎሚ መንእሰይ ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐበኝነትን ወሪሱ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጸለመን ምጽሕታር ጽልእን መንገዲ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኤሪጋዜት/ Erigazette፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ ቀረባ ብዘውጸኣቶ ጽሑፍ ኣቃሊዓ። እዚ ተግባር ኢሳያስ፡ ካብቲ ኣንጻር ጐረባብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ተጻራሪ መርገጻቱ ዝነቅል፡ ኣብ ጸጥታ እቲ ከባቢ ሓደጋ ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ሓቢራ። ብመንጽርዚ ኢሳያስ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ከምዘሎ ምፍላጡ ኣድላይ ምዃኑ እቲ ናይ ኤሪጋዜት ጽሑፍ ኣጠንቂቑ።
ሓደ ካብቲ ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ክስለፍ ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ዝመርሖ መንግስቲ ሰብኣዊ ግህሰትን ቁጠባዊ ውድቀትን ንምኽዋል እዩ። ናይ ወጻኢ ጸላኢ ብምፍጣር፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ብሰንኩ ክወርዶ ዝጸንሐ ወቐሳ ምሕባእ ከኣ ካልእ ድሌቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ዝምድናኦም ምስ ምዕራብ ኣብ ምብልሻው ተጸሚዶም ዘለዉ ጨቆንቲ መራሕቲ ቻይናን ሩሲያን ምሕጓስ እውን ካልእ ዕላማ ኢሳያስ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣተሓሒዙ ኩሉ ፈተነታት ዲክታተር ኢሳያስ ቅቡልን ርትዓውን ከምዘይኮነ ይጠቅስ።
ኢሳያስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ፈጺማ ሞይታ እያ” ኢሉ ዝኣወጆ ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ክፍጽሞ ዝጸንሓ በብዓይነቱ ግህሰታት ንምህዳም ዝሃንደሶ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስቓይ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣልማማ ቅትለትን ከም ዝፈጸመ ይሕብሩ ከምዘለዉ ኣስፊሩ። እዚ ተግባርሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ነቲ ጸገም ብሰላማዊ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ዝዕንቅፍ እዩ።
እቲ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣንጻር ተግባራት ኢሳያስን ምምሕዳሩን፡ ካብ ቁጠባዊ እገዳ ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክቐጽዕዎን ብቐጻሊ ንተግባራቱ ዘቃልዑ መግለጽታት ከውጽኡን ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ንዝቃለሱ ኤርትራዊ ውዳበታት ክሕግዙ ኣተሓሳሲቡ።
ብዕለት 11-03-2023 ዓ.ም.ፈ ካብ ሰዓት 20.00 ክሳብ ሰዓት 22.00 ብኣዝዩ ህዱእን ልዙብን መንፈስ ብተሳታፍነት ናይ ኩሉ ኣባል ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣኼባኦም ኣካይዶም ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ቁ. 2 ሕጂ እውን ዳግማይ ክሳራ ኣብ ከተማ ሉንድ ድሕሪ ክብርቲ ነብሰሄር ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ብጻይና ሃብተኣብ ተስፋይ እውን ብዕለት 04032023 ተፈልዩና ብምባል ናይ ድርብ ደቃይቅ ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ኣኼባ ከፈቶ። ሲዒቡ ዝተሰርዔ ኣጀንዳ ብቀደም ተከተል ህልዊ ሓለዋትን ንጥፈታትን ኣብ ጉዕዞ ዘሎ መደባትን ሰዲህኤ ንኡድ ተሳትፎ ኣባላት ኣብ ምጣኔ ሃብቲ ብዝርዝር ቀሪቡ ። ኩሉ ከም ዝከታተሎ ዝቀነየን ዘሎን ሓያሎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቦም ዝሃብዎ ብሓቂ ጽፉፍን ልክዕ ትሕዝቶን ዕላማን መነንት ትሕዝቶ መትከላቱን ዓይነት ኣባላት ሰልፊ ዝሓበርዎ ኣዎንታውን ሰሓብን ብምንባሩ ቀጻሊ ክኸውን ኩሉ ኣባል ክሳተፍ ጸዊዖም። ኣኼባ ብፍላይ ኣዕሚቁ ዝተካትዓሉ ምስ ፖሊቲካዊ ዉድባት ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ቃልሲ ኣውራ ምስተን 4ተ ዉድባት ኣብ ድሓን ስምምዕ ይኸይድ ንዘሎ ተግባራውን ክኸውን ድሌት ህዝብና ዘማልእ ክኸውን ኣስሚሩሉ ንመሪሕነት ሓደራኡ ከማላልፍ ተሳማሚዑ። ኣብ ጉዕዞ ዘሎዉ ዓበይቲ ዉራያት ሰልፊ ማለት ቀዳማይ 4ይ ጉባኤን ፈስቲቫል 2023 ፍራንፎርትን ” ሰዲህኤ ንቅዋማውን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ይቃለስ !!! ዝብል ሓባራዊ ጭርሖ ክካየዱ ምኻኖምን ንምዕዋቶም ከኣ ቅሩብነቱን ዕጥቁን ከም ዝድርቡ ኣስሚሩሉ። ኣኼባ ብተወሳኺ እዚ ኣብ ዞናና ዝኸይድ ዘሎ ቅልጡፋት ሓደስቲ ተርእዮታት ዋላ እቲ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝዉሃብ ዘሎ ንቁሕ ብሩህ መግለጽን ዕጉብ ይኹን ብዝያዳ ምስ መሰረታት ቀጻሊ ቅልጡፍ ርክብን ሓበሬታን ክህሉ ተላብዮም ከም ጨንፈር እውን ኣብ ቀረባ ጊዜታት ንክራኸቡ ተሳማሚዖም ኣኼባኣኦም ዛዚሞም።
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!
ዉድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ።
11-03-2023
ኤርትራ ብብኩራት ናጽነትን ሓርነትን ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ኮይና፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፍሪዶም ሃውስ/FREEDOM HOUSE፡ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2022 ዝርዝር ሓበሬታ፡ ካብተን ቀዳሞት ናጽነትን ሓርነትን ዝበኾረን ሽዱሽተ ሃገራት ኤርትራ ሓንቲ ኮይና ሰፊራ። በቲ መጽናዕቲ መሰረት ካብ ሚእቲ 95 ካብኡ ንላዕልን ዝረኸባ ሃገራት 5 እየን። እቲ መምዘኒ ፖለቲካዊ መሰልን ሲቪላዊ ሓርነትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ዝተኸፍለ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ መሰል 40% ዝሕሰብ ክኸውን እንከሎ እቲ ሲቪላዊ ሓርነት ድማ 60% ዝሕሰብ እዩ።
ብመንጽር እዚ ኤርትራ ካብቲ 40፡ 1 ክትረክብ እንከላ ካብቲ 60 ድማ 2፡ ብድምር 3% ጥራይ ከም ዝረኸበት፡ እቲ ንኩነታት 210 ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ መጽናዕቲ ኣርእዩ። ኣብቲ ዝርዝር ናጽነት ክበሃል እንከሎ ካብ ውልቀሰብ ጀሚርካ ክሳብ ብሓባር፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ማዕረ ነጻነት ኣብ ቅድሚ ሕግን ዝኣመሰሉ መዕቀንታት ዝዝርዝር እዩ።
እተን ከም ኤርትራ ካብ ሚእቲ ትሕቲ 5% ድምር ውጽኢት ዝረኸባ ሃገራት፡ ደቡብ ኮርያ 3%፡ ቱርክመኒስታን 2%፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶርያን ቲበትን ድማ ነፍሲ ወከፈን 1% ድምር ውጽኢት ዘመዝገባ እየን። እተን ካብ 100% ክሳብ 95% ዝረኸባ ቀዳሞት 5 ሃገራት፡ ነርወይ፡ ኦስትሪያ፡ ኔዘርላንድ፡ ኒውዜላንድን ፊንላንድን ኮይነን፡ ነርወይን ፊንላንድን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 100% ዘመዝገባ እየን።