ንህግደፍ ምቅዋም፡ ንልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን
2024-10-24 08:39:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 243 timesብ1913 ዝተሳእለ፡ ዓለም ለኻዊ ዶባታ ዘርኢ ካርታ (MAP) ሃገረ ኤርትራ
ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ዝተደኮነሉ ጽኑዕ ባይታ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ ንዓመታት ዘካየዶ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመታት ብዘካየዶ ብረታዊ ቃልስን ብዘፍሰሶ ደምን ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዶም፡ ብ99.83% ድምጹን ዘትረሮ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ልኡላውነት ኤርትራ ሎሚ’ውን ሓዱሽ ኣጀንዳ ካብ ምዃን ዓዲ ብዘይምውዓሉ፡ “ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን?” ኢልካ ክትሓትት ዝድርኽ እዩ።
ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ቀጻሊ ኣጀንዳ ካብ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያታት ሓደ፡ ሓቂ ዘይተዋሕጠሎምን ንዝተኸፍሎ ዋጋ ዘስተናዕቑን፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ዘይዕጸፍ ፖለቲካውን ሕጋውን ክውንነት ምቕባል ዝጸገሞም ኢትዮጵያውያን ወገናት በብግዜኡ ቃናኦም እናቐያየሩ ዝቕልቀሉ ምዃኖም እዩ። እዞም መዕለበጥቲ ወገናት፡ “ዝኾነ እንተኾነ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ዝብሉ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጽውጽዋይ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ” ዘይወጹ እዮም። እቲ መርተዖ ኢሎም ዘቕርብዎ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣብ “ነበረያነበረ” ዝምርኮስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጻረር፡ ህልኽን ንሓቂ ጸማም እዝኒ ምሃብን ዝደረኾ እዩ።
ብመንጽር’ቲ ዝህውትትዎ፡ እዛ ኤርትራ ግድን ኣካላ እንተዘይኮነት ኢሎም መመሊሶም ዝቑዝሙላ ኢትዮጵያ፡ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ከምዚ ዘላቶ ኣይመኾነን። ኢትዮጵያውያን ክሳብ ክንደይ ኣሚኖም ይቕበልዎ ካልእ ኮይኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ሎሚ ሒዘነኦ ዘለዋ መልክዕ፡ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምስተሃንደሰን ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸደቐን መልክዕ ኣብ ምሓዝ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ከም እትቕድማ ምዝኽኻሮም ኣገዳሲ እዩ።
ነዚ ታሪኻዊ ሓቂዚ ንምቕባል፡ ብመጀመርያ ካብ ትምክሕትን ጸቢብነትን ወጺኦም፡ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ሃገር ምንባራ ክእመኑ ይግባእ። ምምናልባት ኢትዮጵያ ነቲ ብሓያላት ተሓጊዛ ፈደረሽን ኣፍሪሳ ንኤርትራ ን40 ዓመታት ብጎበጣ ዝገዘኣትሉ ግዜ ከም መርተዖ ንዋንነታ ክተቕርቦ እንተኾይና፡ ካልእ መግለጺ ፖለቲካዊ ዕሽነት እዩ። ኤርትራ “ብሰንኪ እገል ዝተባህለ ውድብ’ያ ካብ ኢድና ወጺኣ” ዝብል ምስምስ’ውን፡ ንወሳኒ ገደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕግን ዝዘንገዐ ህውተታ እዩ። ኣብ ኤርትራ በጺሕካ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሰርሕ ጂኦፖለቲካዊ ቀጥዒ ክትፈጥር ምድላይ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን።
ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ መመሊሱ ኣጀንዳ ናይ ምዃኑ ጠንቂ፡ ግዳማዊ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ በብግዜኡ ኣብ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘርእዮ ወለቕ ዘለቕ፡ እቲ ኣጀንዳ ዘየቋርጽ ንክኸውን ግደ ኣለዎ። ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዝመስከርዎ ዘለዉ፡ መራሒ ህግደፍ ኣብ ድሮ ነጻነት ኣስሚዕዎ ዝተባህለ ናይ ፈራሕ ሃቐነ፡ መድሎ ኣብ ዝረኽበሉዶ ናይ ምትግባሩ ሕልሚ ይህልዎ ይኸውን? ኢልካ ዘየጠርጥር ኣይኮነን። ድሕሪ ናይ 2018 ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምልላስ ኣብዚሑ ዝነበረ፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየምን ኣዲስ ኣበባን ካለኦት መድረኻትን ዘስመዖም መደረታትን ዝኣተዎም መብጸዓታትን፡ በቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ወገናት ከይተረፈ፡ “እምበርከ እቲ ዘረባ ካብኡ ድዩ ዝወጽእ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገደደ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ገለ ወገናት፡ “ከጸባብቕሉን ከመኻንይሉን” ዝፍትንዎ ዘይሕለፍ ውሽጣዊ ሕልሙን ባጉን ዘግሃደሉ ተረኽቦ እዩ።
እቲ ካልእ ቆላሕታ ዘድልዮ ዛዕባ፡ ህግደፍ ከም ቁርዲድ ምስ ናጻነትን ልኡላውነትን ተጣቢቑ ክሕባእ ዝደሊ ምዃኑ እዩ። ነዚ ዝያዳ ንምንጻር ኣብ 1994 ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቋንቋ ትግርኛ “ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ተባሂሉ ዝተሓተተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንግንባርን ህዝብንሲ መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ቁጠዐ ንሕቶ ብሕቶ ዝመለሰሉ ኣጋጣሚ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክሳብ ሎሚ እውን ሜላታት እናቐያየረ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሸፈጥ እዩ። ካብዚ ስለ ዝነቅል እዩ ከኣ “ነዓይ ዝቃወም ንልኡላውነት ኤርትራ ዝቃወም እዩ፡ ነዓይ ዝድግፍ ከኣ ንልኡላውነት ዘኽብር እዩ” ዝብል ግጉይ መጎት ኣስሪጹ ዘፈራርሕን መሰል ዜጋታት ዝገፍፍን ዘሎ። ነዚ ከም ሓቂ ወሲዶም በቲ ሓደ ወገን “ንህግደፍ እንድግፍኮ ንልኡላውነትና ክንብል ኢና” ኢሎም ነብሶም ዘደዓዓሱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ጉጅለ ንዝቃወሙ ወገናት ከም “ጸረ ልኡላውነት” ስኢሎም ከቕርቡ ክፍትኑ እንዕዘቦም። እዚ ምህዞ’ዚ እዩ ከኣ፡ “ንህግደፍ ምቅዋም፡ ልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን” ዘብለና።
ስለዚ እቲ “ኣነ ናጻነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ስለ ዝበሉ ጥራይ ከም ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ “ንህግደፍ እቃወም እየ” ንዝበሉ ከኣ ከም ናጽነትን ልኡላውነትን ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣምሲልካ ምቕራብ፡ መሰረት ዝሰሓተ ኣጉል ሓሳብን ግጉይ ኣገላልጻን ዝኸውን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኤርትራን ህዝባን ዘይሓልፉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግና ከም ዝኾነ ስርዓት ግዜኡ ወዲኡ ዝዕዘርን ድሓር ክንድቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣብ ታሪኹ ብኣሉታ ዝዝንቶ ኮይኑ ዝሓልፍ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልኡላውነትን ኣጀንዳነት ብወገን ኢትዮጵያ ብሕቶ ዋንነት ገምገም ባሕርን ወደብን ኣጐልቢብካ ናይ ምቕራቡ ዓመጸኛ ፈተነ ክስማዕ እንከሎ፡ ዝያዳ ይንህር። ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ከስተውዕልዎ ዝግበኦም፡ ከምቲ ንሳቶም ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣብኡ ዝተሃንጸ ሓጽብን ክለዓል እንከሎ፡ “ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ናይ ኩሉ ዜጋ ዋኒን እዩ” ኢሎም ወገሐ-ጸብሐ ዝሰብክዎ፡ ጉዳይ ልኡላውነትን ናጻነትን ኤርትራ’ውን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከቶ እምበር፡ ናይ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ዝነፈጎ ጉጅለ ዋኒን ከምዘይኮነ ከስተውዕሉ ነዘኻኽሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብዘይካ ውሑዳት፡ መልክዑን ኣገባቡን ዳኣ ይፈላለ’በር፡ ኣብ መስርሕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከም ዘለዉ ርኡይ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ “ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘይዋገ””፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ከባብያዊ ምትሕግጋዝን ዘትከለ፡ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ምዝማድ ኣድላይ እዩ። “ነቲ ስርዓት ከነዋድቐኩም እሞ ልኡላውነትኩም ቆራሚምና ክንጥቀም” ኣብ ዝብል ዘድህብ ዝምድና ግና፡ ጥዕና ዘየብሉን ኢድ ኣእታውነት ዝዕድምን ስለ ዝኸውን፡ ብዝመጾ ይምጻእ ተቐባልነት የብሉን። ስለዚ “ንህግደፍ ምቅዋም፡ ልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ “ሓቢርና ቀጥ ንበል” መጸዋዕታና እዩ።