ኣብ ኬንያ “ኣቦ ዲሞክራሲ” ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲከኛ፡ ራይላ ኦዲንጋ ዓሪፉ
2025-10-16 20:54:41 Written by ቤት ጽፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 21 times“ናይ ኬንያ ኣቦ ዲሞክራሲ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ ከም ዝዓረፈ፡ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን። ኦዲንግ ናይ ሃገሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ “ኣዚሞ ላ ኣዚሚዮ ኡሞጃ (ሓንቲ ኬንያ)” ኮይኑ፡ 5 ግዜ ንፕረሲደንትነት ተወዳዲሩ ከም ዘይተዓወተ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር።
ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣስከሬኑ ካብ ህንዲ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሞ ከኒያታ፡ ዝተኣከበ ደጋፊኡ ስለ ዝበዝሐን ንምቁጽጽጻሩ ስለ ዝኣገመን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ንክዕጾ ናይ ግድን ኮይኑ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ኣስከሬኑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ቤተመንግስቲ ተወሲዱ ብህዝቢ ክረአ’ኳ መደብ እንተነበረ፡ ህዝቢ መካበብያ ናይቲ ቤተመንግስቲ ክጥሕስ ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ሞይ ማእከል ስፖርት ከም ዝተወስደ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ስታድየም እውን ደገፍቲ ኦዲንጋ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተሓዝአ ቦታ ብሓይሊ ጥሒሶም ክኣትዉ ምስ ጀመሩ፡ ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ንምቁጽጻር ተኹሲ ከፊቱ 3 ሰባት ከም ዝተወቕዑ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዓሌቱ ኣብ ዝርከብዎ፡ ቦንዶ ኣብ ዝበሃል፡ ካብ ከተማ ኪስማዩ ንወገን ምዕራብ 60 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ናይ ሕርሻ ቦታኡ 18 ጥቅምቲ 2025 ከም ዝቐበር ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኬንያ ናይ 7 መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ’ሎ።
ኦዲንጋ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ምስ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱስፍ ተወዳዲሩ ከምዘይተዓወተ’ውን ዝፍለጥ እዩ።