EPDP Editorial

ገለ ወገናት፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብዛዕባ ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ እትሓልፎ ዘላን ዝብልዎ፡ ንዝረአ ዝኽሕድ፡ ኣብ ኣሉታ ጥራይ ዘተኩር፡ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዘነብር ብግብሪ ሓቂ ዘየብሉ እዩ ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ኣበሃህላኦም ኣብ ኤርትራሲ ዝረአ ኣውንታ እናሃለወ እዩ ዝከሓድ ዘሎ ካብ ዝብል ዘይቅኑዕ እምንቶ  ዝነቅል እዩ ዝመስል።

እንተኾነ፡ ንኩነታት ኤርትራ እንገልጸሉ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ዘተኩር፡ ብዙሕ መዳያትን መልከዓትን ዘለዎ እዩ። ናይ ኩሎም ዛዕባታት ውጽኢት ድማ ብመንጽር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ትጽቢትን “ኣሉታዊ እዩ” እንብሎ፡ እቲ ኤርትራዊ ባይታ ዝምስክሮ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ዘየለ ምሂዝካ ኣብ ጽልእን ቅርሓትን ንምንባር  ዝመሃዝ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይሕሰብን። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ውዳበን ነጻ መድያታትን ኣይረአን። ነንሕድሕዶም ዝናበቡ ኣካላት ዘለዉዎ፡  ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝንጸባረቐሉ መንግስታዊ ፡ ምምሕዳር የለን። ምርጫ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ልዕልና ፍትሒ እውን በዂርሉ ዘሎ እዩ፡…..ወዘተ ክንብል እንከለና፡ እቲ ኣብቲ ባይታ ዝድህሰስ ሓቂ ከምኡ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ኣውንታ ጓዕጺጽካ ንምሕላፍ ዝተሓሰብ ኣይኮነን። እዚ ካብቲ ኢሳይስ፡ “ሕገመንግስቲ ሞይቱ እዩ፡ ምርጫ ንምክያድ ሰላሳ ኣርበዓ ዓመታት ምናልባት’ውን ካብኡ ንላዕሊ የድልየና ይኸውን”  ዝበሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክሳብ ክንደይ ኣውንታ ሓሪምዎ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ሃገርና ዜጋታት ሃብቶም ኣዋፊሮም፡ ንነብሶም ኮይኖም፡ ሃገሮም ዝሃንጽሉን ህዝቦም ዘርብሕሉን ዕድል የለን። ኣብ ክንድኡ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ጐረባብቲ ሃገራት የልምዑ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ  ኣስታት 3 ቢሊዮን ዶላር ኣውፊሮም ከም ዘለዉ ምግላጹ ንኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ። ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ነዚ ዝተዓዘቡ ናብታ ንደቃ ዘይኮነት ኤርትራን  ቀናእን ገባትን ምምሕዳር ህግደፍን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ  ክመጹ ምጽዋዕ ከኣ ግብራዊ ኣይኮነን።

 ምምሕዳር ህግደፍ ስሩዕ ዓመታዊ በጀት የብሉን። እዚ ሓደ ካብ መርኣያታት ዘይግሉጽነቱ እዩ።  ናይ ወጻኢ ሽርፊ መንቀሳቐሲ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰቦም ካብ ዝልእክዎ ብሕጊ ናይ ዕዳጋ ዘይግዛእ፡ ናይ ዓመጽ ሸርፊ ዝተዋህለለ እዩ። ኣብቲ ዝርካቡ ሃብቲ ሃገር ማዕረ ተጠቃምነት ስለ ዘየለ፡ ኣብ መንጎቲ ሓፋሽን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ብምጥፍፋእን ናብቲ ጉጅለ ብዘለዎም ቅርበትን ዝሃብተሙን ዘሎ ናይ መነባብሮ ፍልልይ ሰማይን ምድርን እዩ። እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ነገራት ናብ ዕዳጋ ዘየቕርብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዝርካቡ ባኒ ከይተረፈ፡ ኣብ “ድንኳን ሕድሪ” ብመቑነን እናዓደለ፡ መቆጻጸሪ ፖለቲካን ጸጥታን ዝጥቀመሉ እዩ። እዚ ኩሉ ኣብቲ ኤርትራዊ ባይታ ዝድህሰስ እምበር ምሂዝካ ዝበሃል ኣይኮነን። ኤርትራ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ኣብ ሓደ ግዜ  ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ዘየውጽእሉ ስርዓተ-ባንክ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ካብ ሓደ ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ “ክውረስ እዩ”  ብዝብል ተኣዊጅዋ’ሎ።

ህዝቢ ኤርትራ እኹል ቀረብ ዝስተ ማይን ጸዓትን የብሉን። ከም ኢንተርኔት ዝኣመሰሉ ዘመናዊ መሳለጥታት፡ ንካልእስ ይትረፍ ምስ ቤተሰብ ተደዋዊልካ ደሃይ እትፈልጠሉኳ የለን። ትምህርትን ሕክምናን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ እዩ።  መንእሰያት ክሳብ ካለኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝፍጹሙ’ኳ ምስ ወለዶም ኮይኖም ናይ ምምሃር ዕድል የብሎምን። ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ሳዋ እትርከብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ቤት ምህርቲ ጥራይ እያ ዘላ። ዝነበረታ ሓንቲ  ዩኒቨርስቲ ዓጽያ ጥራያ ዝተረፈት ምዃና ከኣ መስደመም እዩ።  

ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ዘለዋ ንኤርትራውያን ኣገልግሎት ዝህባ ሆስፒታላት ውድቀት ሕክምና ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ መሰኻኽር እየን። ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት ዘሎ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት፡ ተጽዕኖን ምቁጽጻርን ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንሕብረተሰብ ዓለም እውን መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ኣወዳዲርካ ምስ ዝለዓለ ብዝሒ ካብ ዜጋታተን  ዝተሰዱወን  ቀዳሞት ሃገራት  ካብ ትስራዕ ነዊሕ  ኮይኑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ፡ ውግእን ህውከትን እምበር ቋንቋ ሰላምን ምክእኣልን ዘይርዳእ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎን ዝነበረን ባዕሉ ዝዛረብ መርተዖ እምበር፡ ምህዞ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እያ ከኣ ኤርትራ ንሓንሳብ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ንሓንሳብ ድማ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ብውሕዱ ሓደ ዙር ውግእ ዘካየደት ናግራም ሃገር” እትበሃል። እዚ ኩሉ ሓቢእካዮ ዘይሕባእ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እምበር፡ ንጉጅለ ህግድፍ ብዓይኒ ጽልኢ ብምርኣይ እተልግበሉ ጸለመ ኣይኮነን።

እቲ ኤርትራዊ ኩነት ዝምስክሮ ከምዚ እናሃለወ፡ “ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ኣብ ባይታ ዘሎ ኣውንታ ክሒዱ ናብ ኣሉታን ጽልእን ዘተኩር እዩ”  ንዝብሉ ወገናት፡ “ሃየ በሉስከ እቲ ኮነ ኢልካ ዝተሰግረ ናይ ህግደፍ ኣውንታ ኣርእዩና?” እንተዝበሃሉ፡ ኣብ ባይታ ፍረአን ዘይሕፈስ “ዘመናዊ ማሽናት ኣለዋና”  ካብ  ምባል ሓሊፎም፡ እንታይ ከምዝብሉ እንድዒ። ኢሳያስ ተጠሊዑ “ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ፋብሪካታት ኣበይ ኣለዋ? ባጽዕ  ሉል ባሕሪ ትበሃል ነይራ ሎሚኸ ኣበይ ኣላ?” ክብል እንከሎ፡ ሕሉፋት ህግደፍ ብምዃን ተኣመንቲ ንምዃን “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ”  ብዝብል ሃንደፍደፍ  ዝብልዎ ይህሉ ይኸውን። ነቲ ኢሳያስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት፡ “ኣብ ምዝርዛር ጸገማትን  ዘይትግበር መብጸዓታትን”  ሃተፍ ዝብሎ፡ ኣብ ባይታ ግና ሕቶ ህዝቢ  ዘይምልስ፡ ከም ሓቂ ዝወስድዎ እንተልዮም፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ኣውንታ ዘይኮኑ ምስ ሕልሚ ይነብሩ ከም ዘለዉ እዩ ዘመልክት።

ስለዚ እቶም ተግብራት ጉጅለ ህግደፍ ተቓዊሞም፡ ኤርትራን ህዝባን ናብ ዝሓሸ ህይወት ንከሰጋግሩ ይቃለሱ ንዘለዉ ሓይልታት፡ ብጽልእን ቂምን ዝኸሱ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዘይጭበጥን ኣብ ባይታ ዘየለን ሕልሚ ይነብሩ ከም ዘለዉ ተረዲኦም ምስ ሓይልታት ለውጢ ክስለፉ ሎሚ’ውን መጸዋዕታ ህያው’ዩ።  

ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ኣካይዱ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ፍጻመ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ኣብታ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣሉታዊ ምትእሳር ዝጸንሓ ጐረቤት ሃገር ዝተጋበአ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት  ተመኩሮ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ‘ውን እቲ ካልእ ምኽንያት  ኣዛራብነቱ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ዝፈርስ ዘይመስል ዝነበረ ዘይርጡብ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከም ዝፈሸለ ዝመልክት ምዃኑ’ውን ካልእ ኣዛራብነቱ’ዩ።

ህላወ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንዲ ነጻነት ኤርትራ ዕድመ ኣለዎ። ብዛዕባ ኣኼባ ምክያድ ንዛረብ ስለ ዘለና ከኣ ኣኼባታት ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ብዘይካ’ቲ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ሰሚናራትን ጉባአታትን ብደረጃ “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን” ዝተኻየዱ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ተጠቀስቲ እዮም። ጎንደር፡ መቐለ፡ ሰመራ፡  ኣዲስ ኣበባ፡ ደረዘይቲ፡ ኣቃቅን ኣዋሳን ከኣ ካብተን ሰፋሕቲ ርክባት ኤርትራውያን ዝካየደለን ዝነበራ ከተማታት ኢትዮጵያ እየን። እዚ እዩ ከኣ ናይ 27 ጥሪ 2025 ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ኣኼባታት ተቓውሞ ኤርትራ እምበር፡ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይኮነን ዘብሎ። ብመንጽር ብሪጌድ ንሓመዱ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባታት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን።

እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ቅድም ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎምን ዘሎን ዝነበረን ኩነታት  ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ። እቲ ፍሉይ ኩነታት ነቲ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኣኼባ ኤርትራውያን ክጸልውዎ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምብራህ ሓደሓደ  መነጻጸሪ ነጥብታት ምጥቃስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራዊ ውድባት ብጉባአታት ዝጸደቑ መደብ ዕዮታትን ዝተመርጹ መሪሕነታት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብኣንጻሩ ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝተዘርግሐ፡ ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት’ውን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብቲ ፖለቲካዊ መስርሕ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት ድሕረ-ባይተኦም ብዘየገድስ፡ ገዳይም ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕ ጽልዋ ዝነበሮ ውድብ ህወሓት በሪኽ ኣፍልጦ ዝነበሮም እዮም። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብቐረባ ዝዋሳእ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዝነበሮ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ዘካየዱ ኤርትራውያን ኮኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብመዚ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጠኦም ድሩትን ኣብ ሕድሕዶም ክንድቲ ዝድለ  ዘይፋለጡን  ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ተመኩሮኦም ይኹን ኣመጻጽእኦም ናብ ቃልሲ ዘመልክቶ እዩ።

ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዝምድናዊ ሚዛን፡ ዘቤታዊ ጉዳዩ ዝወገነን ሰላም ህዝቡ ዘውሓሰን ነይሩ።  ብኣንጻሩ፡ ሎሚ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ክካየድ ዘፍቀደ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ውግእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝሳዕረረሉ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ምስ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ዝጸንሐን፡ ነዊሕ ዝርጋሐ  ዶብ ዘለዋን ክልል ትግራይ ኣብ ዘይህዱእ ርክብ ዘሎ እዩ። ተጋሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ወጥሪ ኣትዮም፡ ብዛዕባ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ሕርያ ብዙሕ ይውረዮም  ዘለሉ ኩነታት’ዩ።

መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ምትግባር እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ኳ ይዕንቅጽ እንተነበረ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘስግእ  መንግስቲ ኣይነበረን። ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ግና ብዕሊ ክሳብ ምውናን ወደብ ዓሰብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምህናጽ ወተሃደራዊ መደበር ዝመጣጠር ጠለባት ዘቃልሕ ዘሎ እዩ።

ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ኮይንካ ዝግበር ቃልሲ፡ በቲ ኣብቲ ትዋሰኣሉ ቦታ ዝረአ  ፖለቲካዊ ምዕባለ ክጽሎ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህርፋን ንጉዕዞ’ቲ  “ንወተሃደራዊ ምድላው እሸባሸብ  ኣለኹ” ዝብል  ዘሎ ብሪጌድ ንሓመዱ ከም ዝጽለው ብጽሞና ክሓስበሉ ናይ ግድን’ዩ። በዚ መሰረት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ብደሆታት ከምዘለዉ ክግንዘብ ይግበኦ።

ብሪጌድ ንሓመዱ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ክመሃረሉ ቅሩብ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ተጸንዐን ኣርሒቑ ዝጥምትን መልሲ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ጌጋ ንዘይምድጋም ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ናይ ምቅብባል ኣካል’ውን  ስለ ዝኾነ።

እቲ ካልእ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ህግደፍን ብልጽግናን ዘይትካላዊ ዝምድናኦም መኺኑ፡ ኣብ ሓያል ምውጣጥን ምጽልላምን ዘለውሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት’ውን ኣብ መንጎ’ቲ መቃለሲ ባይታ ዘፍቅድ መንግስትን ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ወገንን ዝፍጠር ናይ ሓሳብ ምውጣት ክህሉ ርዱእ እዩ። ናይቲ ምውጣት ትርጉም፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ዘዕቆቦ ተቓውሞ ረብሓኡ ዝረጋግጸሉ ልኡኽ ገይሩ ክልእኮ ክደሊ እንከሎ፡  እቲ ኣብዘይሃገሩ ኮይኑ ዝቃለስ ወገን ከኣ  ናይ ምውሳን ነጻነቱን ክብሪ ሃገሩን ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ክከላኸል ግድን እዩ።  እዚ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብብሩህ ዝተራእየ ቅድሚት ዝስራዕን ዝነበረ ብደሆ እዩ።

እዚ ብደሆ ሎሚ’ውን ከም ዝህሉ ርዱእ ኮይኑ፡ “ብሪጌድ ንሓመዱኸ ክሳብ ክንደይኮን  ተቐሪብሉ ይህሉ?” ዝብል  ክለዓል  ናይ ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተራእዩ እሞ ክእረሙ ዝግበኦም ተመኩሮታት ሓደ፡ ፍልልያትካ ወጊንካ ዓቕምኻ ክትእክብ ዘይምብቃዕን ዘይግሉጽነትን ቅድሚት ካብ ዝስርዑ እዮም። እዚ ድኽመት  ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነዊሕ ግዜ ወሲደን ኣብ ዘካየደኦ ዓሚቕ ገምጋም ዝተረዳድኣሉ እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ምድላዉ ብመንጽር ኣካብነት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ኣብ ጉዕዘኡ ካብ “ጽባሕ ነርክበሉ” ወጺኡ ብትብዓትን ጥንቃቐን ዝርእዮ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣበይ ይቃለስ ባዕሉ እምበር ህግደፍ ዘይውስነሉ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ጐረቤት ንህግድፍ ሓላል ንደንበ ተቓውሞ ከኣ ሓራም ከምዘይኮነ ዘርኢ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ተረኽቦ’ዩ።  

ውግእ ዕንወትን ህልቂትን ዘስዕብ ናይ ጥፋኣት ምርጫ ስለዝኾነ፡ ተገዲድካ ዝእቶ እምበር፡ ዝምረጽ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ንውግእ ከም ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣኖም ዝጥቀሉ መለኽቲ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኮነን። ድሕሪ’ቲ ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ  ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ፡ ኤርትራውያን ዝሳተፍሉ ጐንጺ ዓሪፉ ጸኒሑ። እቲ ውግእን ወረ ውግእን ግና፡ ኣብዚ ቀረባና  ሱዳን፡ ርሕቕ ኢሉ ከኣ ካብ ሩሲያ ክሳብ  ዩኩረይን፡ ካብ እስራኤል ክሳብ ፍልስጥኤምን ሊባኖስን ኢራንን የመንን ደሓር ድማ ክሳብ ሲርያ ዝወናጨፍ ኮይኑ’ሎ። እቲ ወረ ውግእ ካብዚ ህውከት ዘይፍለዮ ዞባና  ዘይምውጽኡ ከኣ ዘሻቕል እዩ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝጸንሐ ናይ ሕድሕድ ናይ “መጻእናኩም” ፈኸራታት፡ ናብ ዘተኣማምን’ኳ  እንተዘይበጸሐ፡ ናይ ህድኣት ምልክታት ምርኣዩ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ’ሎ።  

ከምኡ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ትጽቢት’ኳ እንተዘይነበረ፡ ዝምድና ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን “ካብ ዓሰብ ክሳብ ኡሞሓጀር ፈቓድ ብዘይምጽባይ ክዘዋወሩ ይተዓዳደሙ”  ከምዘይነበሩ፡  ናብዚ ንዕዘቦ ዘለና  ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ምክሳስን ፈኸራን ምብጽሑ፡ እቲ ገለ ወገናት ነዚ ዞባና “ህውከት ዘይፍለዮ ዘይህዱእ” ዝብልዎ ይግሃድ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ክልቲኦም መራሕቲ   ብልኡኻቶም ኣቢሎም ብኢድ ኣዙራዊ “ክንርእአ ኢና” ምብህሃል ካብ ዝጅምሩ ኣዋርሕ ኣሊፉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ቀጥታዊ ፕርፖጋንዳዊ ዳርባታት ኣትዮምስ፡ ኣብ መንግስታዊ መደብ ተለቪዥ ኢትዮጵያ ክሳብ “ቀይ ባሕረኛ” ዝብል ቀዋሚ ሰሙናዊ  መደብ ምስራዕ ተበጺሑ’ሎ። ኤርትራ’ውን ብቤት ጽሕፈት ዜንኣን ከም ኣወል ስዕድ ብዝኣመሰሉ ናይ መድያ ነጠፍቲ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ንመራሕ  ኢትዮጵያ ዘይበለቶ ምንእኣስ የለን።

 ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ 30 ሕዳር  2024 ቃለ መጠይቕን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር  ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሓለፍቱን ኣብ ፓርላማን ተመሳሳሊ መድረኻትን ተደጋጋሚ ምኩምሳዕ “ምውናን ወደብ ዓሰብ”  እቲ ምትፍናን ይዓርግ ከም ዘሎ የርኢ። ብዙሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም መዲያታትን “ፈላጣት ሕጊ ኢና በሃልቲ” ኢትዮጵያውያን ከኣ ነቲ መንግስታዊ ስስዐ ከዳምቑ ከም “ዓሰብ ናይ መንእያ” እትብል ብዶር ያቆብ ሃይለማርያም ዝተደርሰት መጽሓፍ ዝኣመሰሉ ዝንቡዓት ድርሰታት ክጠቕሱ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ተኹሲ ሓላፍን ፍሉይ ኣማኻሪ ኣዛዚ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ዝኾነ ሌተናል ጀነራል ኣለምሸት ደጊፈ ምስ ናይ ሰራዊት መድያ መድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ “ዋንነት ወደብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ናብ ዝነበሮ ክንመልሶ ኢና” ዝበሎ  ንኤርትራውያን ዘየቕስን ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ወደብን ናይ ገምገም ባሕሪ ክራይ መሬትን ዝረኽበሉ ስምምዕ’ ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኣንካራ  ምስተፈራረመን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተራኸቡን ሕቶ ኢትዮጵያ ተመሊስሉ እዩ እሞ  ናብ ኤርትራ ምምዕዳዉ  የቋረጽ ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። እንተኾነ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣኡ ዝዕገስ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ነቲ ናብ  ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝመጣጠር ህርፋኑ ዝምልከት ካብ ምትኹታኽ ዓዲ ኣይወዓለን። ነዚ ንምርግጋጽ “እንተተኻኢሉ ብሰላም፡ ብኡ እንተዘይሰሊጡ ድማ ብዝኾነ ኣገባብ ዝትግብር’ዩ” ዝብል ሓሳብ’ውን ይንጸባረቕ ኣሎ። እዚ ነቲ ደበና ስግኣት መሊሱ ዘኽብዶ እዩ። “ሎሚ ንሕና እንተዘየዕዊትናዮ ደቅና ዝቕጽልዎ ክኸውን እዩ”  ዝብል ብሂል ክውስኾ እንከሎ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ዋጢጥ ሱር ክሰድድ ይድልይዎ ከም ዘለዉ የመልክት።

እዚ ዝገማዳሕ ዘሎ ምጽልላም፡ ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከባቢና ከም ዝምዕብል ምልክታቱ ይረኣ ኣሎ። ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዝነበረ ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መልክዑ ናይ ምቕይር ኣንፊት ሒዙ ምንባሩ  ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ሎሚ ከኣ ካልእ መልክዕ ናብ ምሓዝ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ቅድሚ ውዕል ፕሪቶርያ ብሓባር ዝነበሩ ወገናት ተፈንጢሖም ሓድሽ መዛምድቲ ንምርካብ  የመዓድዉ ኣለወ። ኣብ ትግራይ ዝሕቆን ዘሎ ፖለቲካዊ ምፍንጫል ከኣ፡ ነናትካ ኣሰላልፋ ናብ ምንዳይ ገጹ ይምዕብል  ከም ዘሎ  ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ። “ምስ ህግደፍን ፋኖንዶ ወይ ምስ ብልጽግና ምዝማድ?” ዝብሉ ሓሳባት ከኣ ዝተፋነኑ ዘለዉ ምርጫታት እዮም።  ገለ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን መዲያታትን ብግህዶ ምስቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ትማሊ ንህዝቢ ትግራይ ደም ዘንበዐ፡  ጉጅለ ምስላፍ’ዩ ዝሕሸና” ዝቓንኡ ጐስጓስ ከቃልሑ ክስምዑ ከለዉ፡ ብኣንጻሩ “ብስምምዕ ፕሪቶርያ ተቐይድና ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ምስላፍ’ዩ ዝሕሸና” ዝብሉ እውን ኣለዉ። እዚ እቲ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ እንታይ መልክዕ ሒዙ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ኣንፈት እዩ። ኣብ ሱዳን እውን  ካብቶም ጀነራላት ነናትካ  ጸግዒ ወሲድካ ምስላፍ ይረአ’ሎ።  

ተጋሩ ክግንዘብዎ ዝግበኦም ሓቂ፡ እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ እሞ “ምሳኻ ኢና” ክብልዎ ዝደልዩ ዘለዉ ጉጅለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ኳ ዝገበረሉ ጽቡቕ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሕሰሙ፡ ጭቆናኡን ድኽነቱን ጠንቂ ምዃኑ ከስተውዕሉ ይግበኦም። ሓይልታት ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈሰሰ ጭካነን ዓመጽን ህግደፍ ክኾኑ ከም ዝጸንሑ ባዕላቶም ዝፈልጥዎ እዩ። ስለዚ “ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ”፡ ራህዋን መዋጸኦን ክረኽቡ ዝጽበዩ እንተኾይኖም፡ ኣብ ግጉይ ምርጫን ኣሰላልፋን ከም ዘለዉ ይረድኡ። ካለኦት ምስ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ ክስለፉ ዝሓስቡ እንተልዮም’ውን መኻይዶም ከምዘይከውን ከሎ ጋና ክግንዘቡ ይግበኦም ንብል። ሎሚ ንህዝብታት ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ኮነ ክልል ትግራይ ዘዋጸኦም፡ ኣብ ውግእ ምሳኻ ዝስለፍ ዓቕሚ ምድላይ ዘይኮነ፡ ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ተረዲኡ፡ ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዝኣምን ክኸውን ይግበኦ።

ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ፡ በዚ ሃገርና ኣብ እትርከቦ ዞባ ኣትዩ ዘሎ ሕምስምስ፡ ዘኸትሎ ሳዕቤን ዝጉዳእ  ህዝቢ ምዃኑ ዝርድእዎ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ዕላምኡ  ኣገልግሎት ወደብ ምርካብ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዝምልከት ሕጋውን ዓለም ለኻውን ኣሰራርሓ ስለ ዘሎ፡ ንዓኡ ክኽተል ከም ወትሩ ኣትሪርና ንመኽሮ። ካብኡ ሓሊፉ፡  ናይ ታሪኽ መወከሲ ንክኽውን ተዓጽዩ ዝተዓቀበ ፋይላት ብምግንጻል፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ወደባት ኤርትራ ብሓይሊ ንምምንዛዕ ምሕላን፡ ሳዕቤኑ ዳግማይ ጥፍኣትን ዕንወትን ይረዳእ ንብል።

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ናይ ሃገራት ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ምጽልላው ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሑ  ይርከብ። እዚ ተርእዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብደረጃ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን፡  ብፍላይ ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ንዓለምና ናብ ክልተ ደንበ ከፊልዋ ዝነበረን እዩ። በዚ ምኽንያት እየን ከኣ ሃገራት ንዝምድና ከም ኣገዳሲ  ኣጀንዳአን  ክሰርሓሉ ዝግደዳ።

ኣብ ከይዲ ናይቲ ምጽልላው፡ ዝያዳ ግደ ዘለወን ፍሉያት ሃገራት’ኳ እንተለዋ፡ ዝኾነት ሃገር ዓቕማ ይዕበ ይንኣስ  ግደ ኣለዋ። ልዑል ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕምን ዝናን ዝደለባ ኣብ ዓለምና “ሓያላት”  ዝበሃላ ሃገራትን ትካላትን ዝምድና ኣብ ምቕያስ ወሳኒ ግደ ከም ዘለወን ርኡይ እዩ። ናይ ሃገራት ሓያልነት በብግዜኡ ዝለዋወጥ  ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣስማተን ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ከይተላዕለ ዘይውዕል  ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩሲያ……ወዘተ ብዘለወን ልዕልና ኣብ ናይ ምጽላው ውድድር ዘለዋ እየን። እቲ ውድድር  ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ብምእታው ጽልዋኻ ብምስፋሕ’ውን ዝግለጽ’ዩ። ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ህልውና ስግኣትን ዘጋጥመን ሃገራት  ምስ ሓንቲ ካብዘን ሓያላት ተጸጊዐን ክዕቆባ ከም ዝግደዳ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ምግልባጣት ህያው ምስክር እዩ። ብሰንክዚ ህልውነአን ምሉእ ብምሉእ  ኣብ ኢድ ካለኦት ወዲቐን ዝሕመሳ ሃገራት’ውን ውሑዳት ኣይኮናን።

እተን ሓያላት ጽልወአን ንምሕያል ካብ ሃገረን ወጻኢ ዘካይደኦ ወፍሪ፡  መንቀሊኡ ኩለ-መዳያዊ ኮይኑ፡  እቲ ቀዳምነት ዝሰርዐኦ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዓብላልነትን  ቁጠባዊ መኽሰብ ንምድላብን እምበር፡ ናይተን ዝጸልወአን ረብሓ ቅድሚት ዝሰርዕ ከምዘይኮነ ዝተፈልጠ እዩ።   ኣብ መስርሕ ዝምድና “ምስ መን እንተኮይንካ ኢኻ ትረብሕን ትድሕንን?” ዝማእከሉ ሕቶ ምምላስ ወሳኒ እዩ። ኩነታት ክቕየር እንከሉ ምስቲ ሓደ ጸኒሕካ ናብቲ ካልእ ምጽጋዕ  ኣብቲ ጉዕዞ ዝምድና ዝረአ እዩ። ብመንጽር’ዚ እተን ተጽዕኖ ዝፈጥራ ሓያላት ኮና፡ እተን ተጽዕኖ ዝወርደን ናይ ግድን ኣብቲ ሓንሳብ ዝደኮነኦ ዝምድና ይነብራ ማለት ዘይኮነ፡ ምስ ምቅይያራት ረብሓ ዝቕየር እዩ።

 ኣብ ናይ ዝምድና ውረድ ደይብ፡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝወሃቦም ተሃወስቲ ኩርነዓት ኣለዉ። ኣብቲ ክሊ እቲ ኩርናዕ ዝርከባ ሃገራት ከኣ ንመጥቃዕቲ ኮነ ንመጎስ ዝተቓለዓ እየን። እዚ ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ሓደ ካብቲ ውድድርን ቁርቁስን ናይ ሓያላት ዘይፍለዮ ከባብታት እዩ። ሓደ ከባቢ መቆራቖሲ ዝኸውን ብዘለዎ ተበሃጊ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣን ትሕተን ልዕለን ምድሪ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዝሓቖፈ ክውንን እንከሎ’ዩ።

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ናይ ንግድን ትራንስፖርትን ዓለምለኻዊ ተባሃግነት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ መቆራቖሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ኤርትራ ከኣ ምስቲ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ሓላፍነታዊ ምምሕዳር ዘየብላ ምዃና፡ በቲ ቁርቁስ እትሰግን ግዳይ ትኸውንን እምበር እትጥቀም ኣይኮነትን። ህዝባ ናይቲ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ወደባቱ ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ነዚ’ዩ ዘመልክት። ብኣንጻሩ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝጥቀመሉን ውዲት ዝኣልመሉን ወተሃደራዊ መደበራት ኣብ ምክራይ እዩ ዝግደስ። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ’ውን እስትራተጅያዊ ተበሃግነት ኤርትራ ካብ ወተሃደራዊ ተጠማትነትን መወዳዳሪ ሓያላትን ወጻኢ ኣይኮነን። ህግደፍ ብሰንክቲ ዝኽተሎ ዕጽዊ ፖሊሲኡ ንዘጋጥሞ ሕመቕን ድሕረትን፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ምዕራባውያን ብፍላይ ከኣ  ኣንጻር እታ ስለ ዘዕበየቶ ክባተኻ ዘይደሊ ኣሜሪካ ብቐጻሊ ከማርር እዩ ዝስማዕ።

ኣሜሪካ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ረብሓኣን ረብሓ መሓዙታን እናቓነየት ኣጀንደኣ ካብ እትገብሮ መዋእል   ኮይኑ እዩ። ካብ ድሮ  ናጽነት ኣትሒዝና እንተተዓዘብና፡ ካብ ሄርመን ኮሀን ጀሚርካ ፖለቲከኛታታ ኣመሪካ ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኦም ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ሚካኤል ሮቢን፡ ቲቦር ናጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ኣንበሳድራትን ኣንጻር’ቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ህግደፍ፡ ዘቕንዑ  ይመስሉ። ህግደፍ ከምስል’ኳ “ነብሰ-ምርኮሳ” እንናበለ ደገፍ ኣሜሪካ ከምዘይደሊ መሲሉ ዘጉባዕብዕ እንተኾነ፡ ድምጹ ሓቢኡ ራሕሶም ካብ ምልማን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ “ኣይሰላም ኣይወግእ” ግዜ ዘስመዖ ዝነበረ ናይ “ዘሪኹሙኒ” ኣውያትን  ናይ ደሓር “ኮሊፎምና”  ሕርቃኑን መረጋገጺ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ምስግጋር፡ ኣብ ዞባና ድምጺ ናይቲ ሓድሽ ብትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንክሰምዑ ዝጸናጸኑ መንግስታት ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ክትረክብ ብሃንቀውታ ትጽበ። ህግደፍ’ውን ሓደ ካብ ተጸበይቲ ኮይኑ፡ ብምምራጽ ትራምፕ ሓጐሶም ካብ ዝገለጹ ሓደ’ኳ እንተ ነበረ፡ መጋብሩ  ስለ ዝፈልጥን ግና መጻኢ ከምዘየቕስኖ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ በቲ ክጨንቆ እንከሎ መልእኽቱ ዘመሓላልፈሉ “ማእከል ምምርምርን መጽናዕትን ኤርትራውያን”  ዝበሃል መርበብ  ኣቢሉ ስንባደኡ ምግሃድ ጀሚሩ’ሎ።  

ካብቲ ዘሰንብዶ፡ ባህርያቱ ብደቂቕ ዝርድኡ፡ ከም ቲቦር ነጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ኣንበሳድራት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ናብ ሓላፍነት ምምጸኦም ዕድመኡ ዘሕጽር ከይከውን ምስግኡ እዩ። ካብቲ ስግኣቱ ዘንጸባርቕ ኣውያቱ ድማ “ክልተ ኣንጻር ኤርትራ ሽምጦም ገቲሮም ዝታረኹ ፖለቲኬኛታት'ዮም፥ / ፒተር ፋምን ኣምባሳደር ቲቦር ናግን። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ምስ ኢህወደግ ስጥመት ዘለዎ ናይ ስራሕ መሳልል ሃኒጾም ምሉእ ቱኽረቶም ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቢሎም ምጽንሖም ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ'ዩ።” ይብል። “ጉዳይ ቲቦር ናጊ "ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁምነገር ሒዝካ ተረት" ከም ዝኸዉን ፍጹም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዝብል’ውን ይውስኸሉ።

ምስዚ ኩሉ ግና ናይዞም ሓያላት ተጽዕኖን ተግሳጥን ኣድላይ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ቃልስን ግደን እዩ። እቲ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዕድልዩ ዘጣጥሕ።  ነቲ ዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒምካ ናብ ረብሓ ህዝብኻ ምውዓሉ ከኣ ነዓና ንተቓለስቲ እዩ ዝምልከት። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ተጽዕኖ ሓያላት ብመንጽር ናቶም ድሌት ዝተቓነየ ስለ ዝኸውን፡  ውጽኢቱ ብኸመይ ናብ ኤርትራዊ  ረብሓን ባህግን  ይቃነ  ከሎ ጋና ከነስተውዕለሉ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ክፍጠር ይኽእል ተባሂሉ ዝግመት፡ ንህግደፍ ዘርዕድ ኣሰላልፋ ንዝያዳ ረቂቕ፡ በሊሕን ሓላፍነታውን ሓባራዊ ቃልሲ እንዳለወሉ ምዃኑ  ክንግንዘብ ከድልየና እዩ።

ኣልጀርስ: እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ደው ንኽብል፡ ስምምዕ ዝተኸተመላ ዋና ከተማ ኣልጀርያ እያ። በዚ መሰረት ድማ  ኤርትራውያን ምስ ኣልጀርስ ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎም። ነቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ብምቅርራብ ናይ ሽዑ   ፕረሲደንት ኣልጀርያ ቡተፉሊቃ 18 ሰነ 2000 ዝኸተሙ ናይ  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለ ወደትንሳኤ (ድሩዕን)ን ኣቶ ስዩም መስፍንን እዮም። ቀጺሎም ናይ ቀዋሚ ሰላም ስምምዕ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዝኸተሙ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብረሃን ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣስረስን ምንባሮም  መዛግብ እቲ ስምምዓት ይምስክሩ።

ትሕዝቶ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዙሓት ዓንቀጻትን ዛዕባታትን ዝሓቖፈ፡ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኮሚሽን ካሕሳን ጥርዓንን ከምኡ እውን፡ ውግእ ብመን ከም ዝተጀመረ እተጻሪ ኣካል ምቛም ካብቶም ዝጥቀሱ ትሕዝቶ ነጥበ-ስምምዕ እዮም። መስርሕ ውሳነ ኮሚሽን ዶባ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ 25 ኪሎ ሜተር ዝዕምቆቱ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ክሊ (buffer zone) ተኸሊሉ ኣብኡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ክሰፍር ተወሲኑ ምትግባሩ ከኣ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ፡ መርኣያ ስዕረት እቲ ኢሳያስ ንወታሃደራዊ  ክኢላታት ኣግሊሉ ዝመረሖ ውግእ ህግደፍ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ነቲ ውግእ ብመን ተጀሚሩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኣጻርያ ንምምላስ፡ ክትምርምር ዝተመዘት ኣካል፡ ኣብ 2005 ኣብ ዝሃበቶ ውሳነ፡ ኤርትራ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ጥሒሳ ነቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ብምጥቃዕ ጀሚራቶ (Eritrea broke international law and triggered the war by invading Ethi” ዝብል መደምደምታ ከም ዝሃበት ሰነዳታ ይምስክሩ። ንካሕሳን ጥርዓንን ኣጽኒዓ ክትውስን ዝተመዘት ኣካል ከኣ ብ19 ነሃሰ 2009 ብዘውጸኣቶ ደምዳሚ መግለጺ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ 174,036,520.00 ዶላር ክትከፍል፡ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ 163,520,865.00 ዶላር ክትከፍ በይና። በዚ መሰረት እቲ ክፍሊት ምስተወራረደ፡ ኤርትራ ናይ 10.515.655,00 ዶላር ዕዳ ንኢትዮጵያ ከፋሊት ምዃና እቲ ሰነዳት የመልክት።

እታ ዝዓበየ ዕማም ዝነበራ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ13 ለካቲት 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይና ሂባ። ድሕሪ ብይን ክትከዶ ዝነበራ መስርሕ ተጓዒዛ፡ ኣብ ምምልካት  ኣብ መሬት ምስ በጸሐት ግና ብወገን  ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከም ዘለዎ፡ ብመሰረ’ቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ባህሪኡ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ስለ ዘይተራእየ፡ ደውታ ኣጋጢምዎ። ህግደፍ ከኣ ንኣስታት 20 ዓመታት ብፍላይ ንመንግስታት ኢትዮጵያን  ኣሜሪካን ከምኡ ከኣ ነተን ካለኦት ኣብቲ ምፍርራም ተዓዘብቲ ዝነበራ መንግስታት ምዕራብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ወጊነን ብዝብል ኣብ ምርጋምን ምኽሳስን ተጸሚዱ ነይሩ። ምስዚ “ህግደፍከ ነቲ ውሳነ ናይ ምትግባሩ ዕድል እንተዝረክብ ቅሩብዶ መኾነ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት’ኳ እንተነበረ፡ ብተግባር ዕድል ምስተረኽበ’ውን ከምዘይተገደሰሉ ብግብሪ ተራእዩ። 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ “ናይ ባድመ”  እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ ዝተፈጥረ ስንብራት፡ ትግባረ  ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ባይታ ብምምልካት ከይተዛዘመ፡ እዚ ሎሚ “ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት” ዝምለስ ዘሎ፡ ስምምዕ ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ተኸሲቱ። ወዮ ናይቲ ስምምዕ ቀንዲ ምኽንያት፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ  ውሳነ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ቅሩብ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸ”  እናተባህለ ተገሊጹስ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና ንትግባረ ውሳነ ዶብ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ’ውን ኣይሓዞን።

ኢሳያስ ክሳብ “ምስሕሓብ ዶብ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ስለ ዘይነበረ፡ ናብ ዝኸደና የብሉን” ኣብ ዝብል ሕጫጨ ከም ዝበጸሐ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ካብቲ ሳላ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘቋረጸ ንኤርትራውያን ኩለ-መዳያዊ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ ኣዕናዊ ውግእ ከይተማህረ ከኣ፡ ምስ ኣብይ ኮይኑ ናይ ውግእ ኮበሮ ብምድሳቕ፡ እቲ 4 ሕዳር 2020 ዝተባርዐ ውግእ ትግራይ ንክጅመር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ ደሓር ከኣ ኣካሉ ኮይኑ ተዋሲኡ። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየንጸባርቕን ውሳነ ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ዓገብ ደጊም ውግእ ይኣኽለና፡ እቲ ዝሓለፈ’ውን  ኣየርብሓናን” ምባል፡ “ንኺድ ጥራይ” እናበሉ ዘሰነይዎ ኤርትራውያን ምንባሮምን ምህላዎምን ድማ የሕዝን።

በቲ ሓደ ወገን ሓይልታት ኤርትራ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መልሻ ኣምሓራን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሰሊፎም መሪሕ ኮይኖም ዝተዋስእሉ ውግእ ትግራይ፡ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ውግእ ንክልተ ዓመታት  ምስ ቀጸለ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዘብቀዐ፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ ብ2 ሕዳር 2020 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ፡ ብናይ ውግእ  ምቁራጽ ውዕል ተቛሪጹ። ኢሳያስ ኣብ ውግእ ትግራይ “ተለጣፊ እምበር ዝምልከቶ ኣካል ኣይኮንካን”  ስለ ተባህለ፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ፕሪቶርያ ኣይተሳተፈን። በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣካልቲ ዘተ ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ብዘይምርካቡ ኣዝዩ ከም ዝተቖጠዐን ሕነ ክፈዲ ከም ዝሓንሓነን ኣብቲ ግዜ’ቲ “ተኾሊፍና” ብዝብል ቃሉ ኣግሂድዎ እዩ።

ኢሳያስን ጉጅለኡን ከምቲ ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ውግእ ካብ ምንዳይ ዘይተኣደቡ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ እውን ብዙሓት ናብ ውግእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ዝበልዎም መዓጹ ይኩሕኩሑ ኣለዉ። ምስ ፈደራል ኮይኑ ኣንጻር ትግራይ ዘካየዶ ውግእ ከየጠዓሶ፡ ምስ ትግራይ ኮይኑ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወግእ ድሌት ኣለዎ ዝብል ወረ ምዝርጋሑን ምስቶም ብጉዳዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝኣተዉ፡ ወገናት ኪዳን  ፈጢሩ ናብ ውዲት ክኣትው ምድላዩ ድማ የገርም።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኩሉ’ቲ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ቁማር ንኤርትራን ህዝባን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ  ኣትሒዙ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትከ፡ ኤርትራን ህዝባንሲ “ደጊም ናትካን ናይ ጉጅለኻን መቋመሪ ኣይክኾኑን እዮም” ዝብል ድምጽና ኣበሪኽና ብሓባር ናብ ተግባር እንኣትወሉ  ደኣ ካብ ሎሚ ሓሊፍ መዓስ’ዩ  ክኸውን?

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ዝተሓላለኸን ብነዊሕ ተመኩሮን ውረድ ደይብን  ክሓለፍ ዝጸሐን ዘሎን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ ብቐሊሉ “ከምዚ ነይሩን እዩ” ኢልካ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። እንተኾነ ንህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ጠሊሙ ስልጣን ዝበሓተ፡ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ፡  በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ “ኤርትራ በዚ ዘላቶ ክትቅጽል ኣይትኽእል’ያ” ዝብል ነዊሕ ዝዕድመኡ እናሓደረ ድምጹ ዝብርኽ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ እዩ ኢልካ ምግላጾም ይከኣል።  ኣብዚ ክልተ ደንበታት ዘይዋሳእ፡ ድምጹ ዘጥፈአ  እቲ ዝበዘሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ከኣ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ እዞም ክልተእቲ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ዝተሰለፉ ወገናት፡  ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ደንበ፡ በብግዜኡ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዝሓዙ ርኢቶታት ክቀላቐሉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ህግደፍ ብዘይካቲ ብግሉጽ ብደንበ ተቓውሞ ዘጋጥሞ እምቢታ፡ ኣብ ውሽጡ ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ድማ  ብውሽጣዊ ምጉርምራም ንዝፍጠር ዘይምእዙዝነት  ዝከላኸለሉ ስልትታት ኣዝዩ ጨካንን ዘይሰብኣውን እዩ። እቶም በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዘካይዶ፡ ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ  ምቕንጻልን ካብቶም ኣብ ውሽጡ ንዝፍጠሩ ዘይምእዙዝነታት ንምውጋድ ዝወስዶም ስጉምታት እዮም። ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ካብ ዝግደድዎም ምኽንያትታ እቲ ቀንዲ ካብዞም ርህራሀ ዘየብሎም ስጉምትታት ህግደፍ ንምድሓን እዩ ኢልካ ምግላጹ ይከኣል። እንተኾነ “ስደትከ  መሰረታዊ መፍትሒ ድዩ  ኣይኮነን?”  ዝብል ሕቶ ጌና ኣብ ኤርትራውያን  ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ  እዩ።

ፖለቲካዊ ክብደት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ ጌና ክንድቲ ዝድለ ዘይተመሓደረ ዝተፈላለየ ኣተሓሳባ ዝሓቖፈ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ናይ ቃልሲ ዓቕሙን ግዜኡን ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዘውዕሎ ንላዕሊ ኣብ ውሽጣዊ ምትህልላኽን ምስሕሓብን ከባኽኖ ከም  ዝጸንሐ ከነእርሞ እምበር፡ ክንሓብኦ ዘይንኽእል ኣሉታዊ ተመኩሮ እዩ። ክሳብ ሎሚ ካብዚ ዘየሕጉስ ተመኩሮና ተማሂርና ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ዘይምዃና ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ብሰንክዚ ምፍልልያትካ ናይ ምምሕዳር ሕጽረት፡ ማዕጾ ህግደፍ ሰይሩ ዝኸፍት ዓቕሚ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ዘየቕስን ኮይኑ  ዘሎ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ  ደንበ ተቓውሞ በቲ ዘርእዮ ድኽመት፡ ካብቲ ንገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ዝጉድኦ፡ ንህግደፍ ዝጠቕሞ ይዓዝዝ ዝበሃል። ምኽንያቱ ዕድመ ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምንውሑ ብዘለዎ ዓቕምን ህዝባዊ ተቐባልነትን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቲ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን ምዃኑ፡ ቅድሚ ሕጂውን ምርድዳእ ዝተበጽሓሉ ሓቂ ስለ ዝኾነ። እዚ እዩ ድማ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን”  ወይ “ገ ኣንዳበሉኻ ዶ ትጋገ” ዘብለና።

ኣብ መንጎ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ናይ “ነቲ ካብ ቃልሲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል መን ኣብ ጐኑ ኣሰለ?” ውድድር ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ጐኑ ንክስለፍ ዝጽወዖ ደስኪሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል  ዝኣትወሉ ናይ ቃልሲ ቃል፡ ምስቲ ድሕሪ ምውጋድ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጽ፡ ሰላም፡ ዕቤት፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምዕቃብ ኩሉ መሰላት ዝወሓስ ራህዋን ቅሳነትን ዝተሓሓዝ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ዋና ባንክን ታንክን ኮይኑ ንግዜኡ ዝኣስርን ዝፈትሕን ዝቐትልን ዝምሕርን ኮይኑ ሃገር ብምሓዙ ስለ ዝምካሕ፡ ፡ መሳርሕየይ እንተዘኮንካ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ገዛን መሬትን ኣይትውንን፡ ከም ድላይካ ካብን ናብን ከባብታት ኤርትራ ኣይትንቀሳቐስን፡ ካብ ወጻኢ መጺእካ ኣብ ቤተሰባዊ ሓጐስን ሓዘንን ኣይትሳተፍን ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ኣብ መሬት ሃገርካ ኣይትቕበርን ዝብል ምፍርራሕ እዩ ዘዘውትር።

ኣብ ክንዲ መጻኢ ኣማዕዲኻ ተቓሊስካ መሰላትካ ምውሓስ፡ ብሰንክ’ዚ ዓመጸኛ ምፍርራሕ ህግደፍ፡  ኣቋራጭ መንገዲ ብምምራጽ፡ “ቅዱም ኣይኽፋእ” ኢልካ ኣንጻር ረብሓኻ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ምስላፍ ዝመርጹ ምህላዎም ንርእዮ ዘለና ግጉይ ሕርያ እዩ። እዚ ግምት ዘይኮነ ብዙሓት ርኢቶኦም “ብምስጢር ክዕቀበሎም” እናተሓሳሳቡ፡ ንህግደፍ “ምሳኻ ኣለና” እናበሉ፡ ኣምሪሮም ክነቕፉ ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ናይ ህግድፍ ድፍኢትን ዘይቅዱስ መጠበርን ተወሲኽዎ፡“ዕባራ ምኽንያታት” ብምፍጣር፡ ካብ ተቓውሞ ዘንዘልሕጡ ምህላዎም  ዝስማዕን  ዘሎ እዩ።

ኣብ መንጎ’ዞም ተጻረርቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ወገናት፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓጹር ጥሑሱ ሰዓብቱ ከብዝሕ ክቃለሱ ንቡርን ብግብሪ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብዚ ተዓዋቲ ንምዃን ከኣ ነዊሕ ኢድን ሓያል ዓቕምን የድሊ። እቲ ቀንዲ መሳርሒ ግና ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ወጊንካ ኣካይዳኻ ኣዋዲድካ ተበሃጊ ክትከውን ምኽኣል እዩ። ህግደፍ ብመንጽርዚ መመሊሱ ሰሓብነቱ ዘንቆልቁል እምበር፡ ብርትዓዊ ሚዛን ክረአ እንከሎ፡ ካብ ደንበ ተቓውሞ ወጺእካ ክትስዕቦ ዘብህግ ፖለቲካዊ መንነት የብሉን። ኣብቲ ናይ ቀደሙ  ምጽሕታር ውግእን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታውን እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ግብራዊ ናይ ዲሞክራስን ልምዓትን ቋንቋን ግብርን የብሉን። እቲ ሓሓሊፉ ዘስምዖ ናይ ልምዓት፡ ወፍርን ሰላምን ዝመስል ዕድመ  ስልጣኑ  ንምንዋሕ ዝምህዞ ተዘይኮይኑ፡ ዝትግበር ኣይኮነን።  ምስዚ ኩሉ ግና ንፍሉይ ተልእኮ ካብ ቅድሞም ድዮም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣድብዮም ጸኒሖም ወይ ኣብ መስርሕ ብዘጥረይዎ ጣዕሳ ብዘየገድስ፡ “ንቃልሲ  ዘየገልግሉ ሓረጋት”  ብምምዛዝን ሓላይ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ብምቕራብን፡ ሓሓሊፎም ናይ ህግደፍ   ድምጺ ከቃልሑ ይስምዑ እዮም።

ስለዚ ሎሚ እውን በዚ ኮነ በቲ፡  እቲ መዋጸኦ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ተገንዚብካ፡ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን“ ዝብል ጭረሖ ኣሕዲስካ፡ ብሓባር ክትወስዶ ዝግበካ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ። ናብዚ ንምብቃዕ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበእ  ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትዋሳእ ምብቃዕ እዩ።

መንግስቲ ኢጣልያ ንመጀመርያ ግዜ ምስምሳት ብምፍጣር ብሰንክ’ቲ ጁሰፐ ሳፐቶ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ሰባኺ ብስም ሓንቲ ናይ መርከብ ኩባንያ ኣብ ዓሰብ ብ1869 መሬት ምግዝኣ፡ ግዝኣታ ንምስፋሕ  ብ1885 ክሳብ ምጽዋዕ በጸሐት። ድሕሪኡ ከኣ በብቑሩብ ንወገን ምዕራብ ካብ ምጽዋዕ እናተፈሓኾትን ምኽንያታት እናፈጠረትን ብ1 ጥሪ 1890 ንኤርትራ ብሓይሊ ሒዛን ምድረ-ባሕሪ ዝነበረ ስማ ናብ “ኤርትራ”  ቀይራን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ  እትርከብ  ግዝኣታ ምዃና  ኣወጀት።

ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ ኩነታታ ምስ ኣጣጠሐት፡ ድሕሪ 6 ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት  ንምውሳኽ ሩባ መረብ ሰጊራ ንወገን ደቡብ ተጓዒዛ፡ ኣብ መጋቢት 1ን 2ን 1896  ኣብ ዓድዋ ኣንጻር ኢትዮጵያ ውግእ ከፊታ ተሳዕረት። ኣብዚ ውግእ’ዚ፡ ኣብ ጐኒ ኢጣልያ ተዓስኪሮም  እናተዋግኡ ዝተማረኹ 800 ኤርትራውያን በቶም ኣብቲ ውግእ ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ብዘስካሕክሕ ጭካነ፡ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ዝተቖርጽሉን ኢጣልያውያን ምሩኻት ግና ናጻ ዝተለቅሉን መስደመም ተግባር ተፈጺሙ። ነቲ ናይ ግዳያት ኣሃዝ ብምጥቃስ፡ እቲ ጭካነ ካብ ከተማ ዓድዋ ንወገን ምብራቕ “ኣባ ገሪማ” ኣብ ዝበሃል ገዳም ከም ዝተፈጸመ፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር ኣብታ፡ Erirean ancient history to 1958 እትብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 53 ኣስፊርዎ’ሎ።

ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሚነሊክ ዳግማዊ ኢጣልያ ተሳዒራ ናብ ግዝኣታ ዝነበረት ኤርትራ ክትምለስ እንከላ ኣይሰዓብዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳግማይ ዶብ ጥሒሳ ንከይትምለሶም ብ1900፡ ብ1902ን 1908ን  ዶብ ናይ ምንጻር ስምምዓት ተፈራሪሞም። ካብኡ ጀሚረን እየን ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ክሳብ ሎሚ ሒዘናኦ ዘለዋ መልክዕ ዶብን  ኣነጺረን ።  

እንተኾነ መንግስቲ ኢጣልያ ግዝኣት ካብ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ስለ ዘይወጸት፡ ኤርትራ ካብ እትሕዝ ድሕሪ 45 ዓመታት እንደጋና ብ3 ጥቅምቲ 1935 ኢትዮጵያ ንምውራር ዝኸፈተቶ ውግእ፡ ብ1 ማዝያ 1936 ኣብ  ማይጨው ድሕሪ ምዕዋታ ንኢትዮጵያ ክትሕዛ እንከላ፡ ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴ ቀዳማዊ ድማ ብ1 ጉንበት 1936  ናብ ሃገር እንግሊዝ ንክስደድ ናብ ጅቡቲ ኣቕነዐ።

ንኢትዮጵያ ን5 ዓመታት ተቆጻጺራ ከተመሓድር ዝጸንሐት ወራሪት ኢጥልያ ብ1941፡ ሰራዊት እንግሊዝ ብዘካየዶ ውግኣት ካብ ኢትዮጵያ ተሳዒራ ወጺኣ። ኣብዚ እቶም ን5 ዓመታት ኣንጻር ምእታው ኢጣልያን ስደት ሃጻይ ሃይለስላሴ ናብ ብሪጣንያን ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ስዕረት ኢጣልያ ግደ ነይርዎም ይበሃል።

እቲ ኩነታት ከምዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ኢትዮጵያ ከም ላይበርያ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ዘይተገዝአት 2ይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ምባላ ክሳብ ሎሚ ኣዛራቢ እዩ። ኢጣልያ ክልቲአን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኽልተ ኣቕጣጫታት ንምርኻብ፡ ጎበታት ኣፍሪሳን ድንድላት ሃኒጻን 1080 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ምጽራጋ ከኣ ክሳብ ሎሚ ህያው ታሪኻዊ መግዛእታዊ ምስክር እዩ።

እዝተፈላለዩ መዛግብቲ ዝምስክርዎ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ ዝተጠቕሰ እንከሎ፡ ሓደሓደ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሓቂዚ ብዘይምቕባል ጌና ኤርትራ ንመግዛእቲ መኪታን ረፈንዱም ኣካይዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበት ሃገር ድሕሪ ምዃና’ውን፡  “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ምስ ዝብል ዝተሳዕረን ግዜ ዝሓለፎን ብሂል ተጣቢቖም ምርኣይን ምስማዕን የገርም።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ኣብ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ካብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣነት ብዘይ ሕጊ እያ። ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ሕጋዊ ታሪኽ ምርኣይ የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትገዝእ ዝነበረት መንግስቲ ኢጣልያን ብ1900፡ 1902ን 1908ን  ምስ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ  3ተ መግዛእታዊ ውዕላት ተፈራሪሞም። እዞም ስምምዓት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኽለሉ እዮም። እንተኾነ እዞም ውዕላት ድሕሪ ኢጣልያ ብ1935 ኣብ ማይጨው ውእግ ከፊታ ናብ ኢትዮጵያ ምውራራ  ውዱቓት ኮይኖም እዮም።”  ዝበሎ ነቲ ዘገርም፡ ዝያዳ ዘስደምም ዝገብሮ እዩ።

እዚ ምሁር ድሕሪ ውግእ ማይጨው ወዲቖም እዮም ዝብሎም ዘሎ ውዕላት፡ እቶም ብደረጃ ዓለም ህያው ተፈላጥነት ሃልይዎም፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ክነሱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተተግበረ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ወሲኑ ብ13 ለካቲት 2002 ክእውጅ እንከሎ፡  ዝተመርኮሰሎም ዓለም ለኻዊ ሰነዳት ምዃኖም ብምዝንጋዕ ዝበሎ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ናብዚ ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኮለል የብልዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት፡ እቲ ብይን ዶብ ብዓንተቦ ዘይምትግባሩ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ናይ ዘይምትግባሩ ሓላፍነት ክልቲኦም ወገናት ዝስከምዎ ተሓታትነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ህግደፍ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት እናሃለዎ፡ ቅሩብ ዘይምዃኑ ዝያዳ ተሓታቲ እዩ። ኢትዮጵያውያን እውን ንድሕሪት ዘይምለስ ክመልሱ ዝኽተልዎ ዘለዉ መንገዲ ንኢትዮጵያ ኮነ ንህዝባ ዘየርብሕ ምዃኑ ክግንዘቡ ምተገብኦም።

ስለዚ ኤርትራውያን ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ውሳነ ዶብ! ኣብ መሬት ይመልከት እሞ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ስሩዕ ጉርብትናን ሕድሕድ ምትሕግጋዝን ይመለስ”  ዝብል ድምጽና ከነበርኽ ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ “2024 ዛዚምና ናብ 2025 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን  በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2025ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።

 እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ  ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን እምበር፡ እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃልከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ክንመዝኖ  እንከለና፡ 2024 ክንድቲ ዝተጸበናያ ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ኣይነበረትን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውግእ፡ ህልቂት፡ ምዝንባልን ዕንወትን ዝዓንደረላ ስለ ዝነበረት “ድሕሪኣ ይቕደወና” እትበሃል ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ነጻ ህያብ ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሱ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮ ንተግሆንዶ ኮይና ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እውን ብዙሕ ሓሊፉ እዩ።

ኣብ 2024፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ  ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደዲፍ ዝሸጡን  ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ  ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ንላዕሊ “ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ ንመጻኢ’ውን  ህግደዲፍ  ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2025’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ናይ 2024 ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብን ሃገርን ዝኸበደ መዘዝ  ዘስዕብ ስለዝኾነ።

ህገድፍ ሎሚስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሩ ተማሂሩ፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ክወቅዕዩ ይኸውን” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ነይሩ ይኸውን።  እንተኾነ ብፍላይ ኢስያስ ብጉልባብ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ መግለጽን ካለኦት ሓለፍቱን ዝኸድዎ ዘለዉ መንገድን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ ምንዳይ ውግእ ዝዕገስ ኣይመስልን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ”  ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግብሪ ይውዕለሉ ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ዘይቅዱስ ኪዳናት ክሳብ  ምምስራት እውን ወሲኽሉ’ሎ።

ካብ ካለኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳን ዘይዕወት ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን  ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ፡ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመተ-2025 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ግምታተን ይህባ’ለዋ። ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ተተባቢዖም፡ ኢትዮጵያውያን ጸገማቶም ብፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክፈትሑ’ዮም ዝብል እምነት ሓዲርዎም ነይሩ። ብግብሪ ግና ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ዕድል 2025 ኣብ ምፍታሕ እዚ፡ ነዓናው ዝጸልወና ናይ ጐረባብቲ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ብትኹረት እንከታተሎ እዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ 2025 ካብ 2024 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት  እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ከይረሓቕና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ  ዘስግእ እዩ።  ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣእዳዎም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ደበና ስግኣ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ውዳበታት እምበር፡ እቲ ራህዋን ሰላማዊ መንገዲድን ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ዘዝፈሓሶ ተንኮል ምስ ፈሸሎ፡ ካልእ መንገዲ ጥፍኣት  ካብ ምምሃዝ ኣብ’ዛ ንርከባ ዘለና ዓመት’ውን ዓዲ ኣይክውዕል እዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲዳንትነት ኣሜሪካ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ምስሕሓብ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ ናይ ሃገረ ሲርያ  ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምእታ’ውን፡ ኣብ 2025 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ዓለም ብሃንቅውታ እትጽበዮም ዘላ እዮም። እቲ ዝፍራሕ 3ይ ውግእ ዓለም ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን  ውሑዳት ኣይኮኑን።

ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2025፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ኮንፈረንሱን ናይ ሓባር ፈስቲቫሉን  ኣቢሉ በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት  ብግብሪ ናይ ምንቅስቓስ ተግባሩ ምስፍሕን ምሕያልን ኣብ 2025 ዓብይ ግምት ዝህቦ ኣጀንድኡ  ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2025 ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።

 

 

 

ካብ ጠባያት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ፡ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ዘይምምእዛዝ እዩ። እዚ በቲ መራሒኡ በብግዜኡ  ዝብሎን፡ ብግብሪ ዝኸዶ ዘይራኸብ  ምዃኑን ክምዘን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዘጽድቖ ሰነዳቱ ዝጸንሖን ዘለዎን ዘይርጡብ ኣተገባብራ መረጋገጺ እዩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ፡ ሳልሳይን ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝተሰጋገረሉን ጉባአ ዘጽደቖ ቻርተር እንተ ዳህሲስካ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት መለለያኡ ብምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኣትዎ ስኑድ ቃል ኣርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።

ኣብቲ ቻርተር ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት፡ “እቲ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባት፡ ተሓታትነት (acountablity)፡ ግሉጽነት (transparency)፡ ብዙሕነትን (pluralism)፡ ምጽውዋርን (tolorance) ዝተመስረተ፡ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። እዞም ኣብቲ 48 ገጻት፡ ብዙሓት ምዕራፋትን ክፍልታትን ዘለዎ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝጸደቐ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ተበሃግቲ ኣምራት፡ ሎሚ ኣብ ህግደፍዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ሃሰስ ኢልካ ኣሰሮም ኣይርከብን። ብመሰረቱ እውን ኩሉ ትካላት ፈሪሱ፡ ኣብቲ ትካላት ዝዋስኡ ዝነበሩ ባእታታት ከኣ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ሞት ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት በዂሮም ኢሳያስን ውሑዳት ኣሰነይቱን ጥራይ  ኣብ ዝተረፈሉ፡  ትካል፡ ትካልውነትን ተሓታትነትን ከም ቃል’ውን  ዝለዓልሉ ኣይኮኑን።

እቲ ቻርተር ዘስፈሮ ካልእ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ፡ እቲ ቃልስን ጻዕርን ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ዝጅምር፡ ንሕና እቶም ናጽነት ዘምጻእና ወለዶታት፡ ሰረታት ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ከነረክብ ሓላፍነት ተረኪብና ኣለና። ዘለናዮ መድረኽ ምስግጋር፡ ኣብ ግዜ ታሪኻዊ ዕድልን ብደሆን እዩ።” ይብል። ኣብዚ ዓበይቲ  ዘይተተግበሩ፡ እንተዝትግበሩ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ከለምልሙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሓረጋት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን። ዝሰፈሐ ዕቤትሲ  ይትረፍ፡ ግቡእ ዝርጋሐ መብራህትን ታራ ናይ ኢንተርነት መስመርን ናይ ምርካብ ዕድል’ኳ የለን። ደሓር ርሑቕ ከይከድካ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ሕብሪ ዘይተገላገሉ  ህንጻታት ከተማ ኣስመራ መስከርቲ እዮም።  እዚ ቻርተር ካብ ዝጸሓፍ ድሕሪ 30 ዓመታት እውን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርስ ይትረፍ፡ ንይምሰል’ውን ካብ ኢሳያስ ናብ ኢሳያስ ዘሰጋግር ምርጫ ኣይተፈተነን። ንመጻኢ’ውን ኣብ ህላወ ህግደፍ ከም ዝሰጋገር ምልክታት የለን።  በዚ ከኣ ኤርትራ “ንዝነወሐ ዓመታት  ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተመርሐት ሃገር” ኣብ እትበሃለሉ ደረጃ እያ ዘላ።

ቻርተር 1994 ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዘሎ ዘይግበኦ፡“ንዲሞክራሲን ፍትሕን” ዝብል ስም ዝሓዘ ግንባር፣ ራኢታት ኢሉ ካብ ዘስፈሮም ኣብ ቁጽሪ 6፡ “ኤርትራ ምስ ጐረባብታ፡ ብስኒትን ብምትሕብባርን እናነበረት፡ ንዞባውን ዓለማውን ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ብዓቕማ እተበርክትን እተኽብርን ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን እያ” ዝብል እውን ካብ ዘስፈሮም’ዩ። ኩሉ ከም ዝርደኦ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ምስ ነፍሲ ወከፍ ንኤርትራ ዘዋስና ሃገራት፡ ብውሕዱ ከክልተ ግዜ ኣብ ውግእ ኣትዩ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ምስ ንኤርትራ ምስ ዘይዳወባ ሃገራት እውን ኣይተሰሓሓበን ማለት ኣይኮነን። ህግደፍ ከምቲ ዝጭረሖ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ምርድዳእን ምጽውዋርን ዘቐድም ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስ ኩለን ሃገራት ዘካየዶ ውግኣት ብዘተን ሽምግልናን እንተገደደ ከኣ ብፍርዲ ዘይፍታሕ ኣይነበረን።

“መበገስን መዕለብን ዕላማና፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ነገራውን መንፈሳውን ርውየት ኤርትራ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ዓለም እዩ” ከኣ ካልእ ኣብቲ ቻርተር እንረኽቦ ዘይተተግብረ፡ ኣብቲ ንህግደፍ ዘቖመ 3ይ ጉባአ ህግሓኤ ዝተወሰነ እዩ። ነዚ ሰነድ ኣጽዲቑ  “ከተግብሮ እየ” ኢሉ ቃል ዝኣተወ ህግዲፍ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ጐኒ ሩሲያ ተጸጊዑ፡ ንወራር ዩክረይን ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ዝደገፈ። ህግደፍሲ ብደረጃ ዓለም ይጽነሓሉ’ሞ ብደረጃ ኤርትራ’ውን ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቀ፡ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ርውየት ህዝቢ ከረጋግጽ ዘይበቐዐ እዩ።

ኣብ ገጽ 42 ናይቲ ኣብ ጉባአ ናቕፋ ዝጸደቐን ተመላኺዑ ዝቐረበን መኻን“ሃገራዊ ቻርተር”“ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ናይ ሰላምን ዘይሻራውነትን እዩ” ዝብል ረዚን ሓሳብ ምስፋሩ፡ ካልእ ነቲ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ተዓዚብካ ዘገርም እዩ። ብዛዕባ ጸረ ሰላምነት ህግደፍ ዝለዓል ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህውከተኛን ጻሕታሪ ኲናትን” ዝብል ቅጽል፡ ንስም ጥራይ ዝተዋህቦ ዘይኮነ፡ ባዕሉ መሪጹ ብግብሪ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ህውከተኛ ባህሪኡ እዩ ከኣ ብእገዳታት ክቕጻዕ ዝጸንሐን ዘሎን። ብዙሕ ንድሕሪት ኬድካ መዛግብቲ ብዘይምግንጻል፡ ህልዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ  ሃገራት ኢድ ኣእቲኻ ምሕማስ መለለይኡ  እዩ። እቶም እናመልመለ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘስርጎም  ዘሎ ጉጅለታት ህያው ምስክር ናይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ካለኦት እዮም።

“መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብእኩብ ክግምግም፡ ክውስንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ኣብ ገጽ 46 ናይቲ ሰነድ ይንበብ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ሓቢርካ ምምዛንን ምውሳንን ይትረፍ እሞ፡ ንስሙ እውን ትርጉም ዘለዎ መሪሕነታዊ ኣሃዱ ዝበሃል የለን። በዚ እያ ድማ ኤርትራ ካብ ንቡር ወጻኢ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ ገባርን ሓዳግን  ናይ ዝወደቓ ሃገራት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ ዘላ።

ጥልመት ህግደፍ ብዘይምትግባር ቻርተር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ነዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ቻርተር ኣብ ግምት ኣእትይዩ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ እውን፡ “ዝሞተ ሰነድ” ኢሉ ጉሒፍዎ’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ምናልባት ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ገለ መራሕቲ ሃገራት፡ ናይቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዓንቀጻት ኣመሓይሾም ንረብሓኦም ከውዕልዎ ዘይቅቡል’ኳ እንተኾነ ይፍትኑ እዮም። ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ እዩ፡ ምኽንያቱ ጸዲቑ ከብቅዕ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ከይተፈተነ እዩ ናይ ሞቱ መርድእ ንህዝቢ ዝተነግረ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ብኽንድዚ ደረጃ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሰነዳት ተኻሒዱ ከብቅዕ፡ ሎሚኸ ካብቲ ጉጅለ  ሓድሽ ነገር  ይጽበ ዶ ይኸውን?

ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገዲ፡ ግጉይን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ  ኣብ ዲፕሎምሲያዊ ዝምድናታቱ’ውን  ጐሊሑ ከም ዝረኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ኩሉ ዝምስርቶ ዝምድናታት ዕድመኡ ሓጺር፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ኣብ ናይ ውግእን ድኽነትን ዓዘቕቲ ዝነቑት። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን  ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድናታት  ድማ  ብመንጽርዚ ዝምዘን እዩ።

እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይቲ ብሰንክዚ ግጉይን ኣርሒቑ ዘይርእን ተበላጺ ዝምድናታት ናይቲ ጉጅለ ዘጋጠም ኩለ-መዳያዊ ዕዳ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ህግደፍ ዝምድና ኣፍሪሱ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ክኸፍሎ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። እቲ ኢሳያስ ባዕሉ ከይተረፈ፡ ደጋጊሙ ናይ ዶብ ከምዘይነበረ ዝተኣመነሉ ውግእ 1998-2000 ዝተኻየደሉ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ዘጋጠመ ምክልባትን ምርሳይን ምብኻንን ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ በሰላ  ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ድሮ እቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘስገኦም፡ ህግደፍ ከሎ ግና ንክሓስበሉ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ኢምባሲኡ  ብመልክዕ ኣኼባ የቕርብዎ ዝነበሩ ናይ “ከይኮነ ንጠንቀቕ” መተሓሳሰቢ ተገዲሱ ዝሰምዖ ኣካል ኣይነበረን። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ እውን እቲ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ እዩ ተበዲሉ እምበር፡ እቲ ጉጅለ ከምቲ ኩሉ ግዜ ከይሓፈረ ዝብሎ “ኣይከሰረን።”

ካብ ኢትዮጵያ ብምስጓጎም ዝተበደሉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ኣይኮነንዶ ኣባላት ህግደፍ ክነብሩ፡ ንሃገሮም ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ርእየምዋ ዘይፈልጡ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ዘጋጠሞም፡  ንተግባራት ሓይልታት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ከማርሩ ጸኒሖም። ናይቲ ጉጅለ ድፍኢትን ተንኮልን እናተወሰኾ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ኣይተሰግረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ   ኣተሓሕዛ ናይቲ ተረኽቦን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ዝተሰጉ ግዳያት እንተማረሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይተፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከኣ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።ኣብ መጻኢ  መምሃሪ ተመኩሮ ክኸውን እውን ይግበኦ።

ህግደፍ  ኣብ 2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኾርተት ክብል እንከሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ክቱር ፍቕሪ ህግደፍን ህወሓትን  “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር”  ከም ዝባሃል፡ እሞ ናብ ውግእ 1998  ዝተቐየረ፡  ዘኪሮም፡ ስኽፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ዝምድና “ግሉጽነትን ትካላውነትን ዝጐደሎ፡ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ  ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ብህድኣት ክርኣይ ይግበኦ፡” ንዘበሉ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ “ሰላምና ምስ ኢትዮጵያ ዘሕመሞም ሓሳዳት እዮም” ስለዝበሎ፡ ደድሕሪኡ ዘዳመቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን።  ነቲ ኩነታት  ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ነፍስሄር ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይኑ ብትብዓት፡ ንዲክታተር ኢሳያስ“ነቲ ግቡእ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን ዘየብሉ ክነሱ፡ በይንኻ ምስ ሃገራት ተካይዶ ዘለኻ ናይ ተብተብ ዝምድና እስትራተጅያዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ ጠጠው ኣብሎ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን፣ ንናይ ቀረባ ግዜ ስንኩፍናን ጥልመትን ዘንጊዕካ፡ ደድሕሪ ህግደፍ ምዕንዳር ባዕልኻ ምውጻኡ ናብ ዘጸግም  መጻወድያ ምእታው ምዃኑ ክንግንዘብ ምተገብአ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበራ ውሑዳት  ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ክረአ ዝጸንሐ ወደኽደኽ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር በይናዊ ተጠቃምነት ዘተኩር እምበር፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ምኽታሙ ብዘርኣዮ ዘይምርግጋእ ተቓሊዑ እዩ። ኣብዚ እቶም ተዓሽዮም ደድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ወደኽደኽ ክብሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ሰቲ ነስኒሱ ብጫ ምንጻፍ ዘርጊሑ “መጺእካለይዶ ክጽበያካ” እናበለ ባዕሉ ብዝጐተቶ ተመን ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓነን።

ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሸምጠጠ ምስ ሸምጠጠን ክቕጽል ከምዘይክእል ምስተረደአን ድሮ ንኣብይ ኣሕመድ ሕቖኡ ሂብዎ። በዚ ከይተወሰን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካለኦት ኪዳን ክሳብ ምምስራት በጺሑሎ። በዚ ዝተቖተዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይካቲ ብዛዕባ ውደብዶ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክዛረብ ዝውዕሎ  ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ከይተረፈ፡ ደጊም “ብሕጊ ዝዛመደና እምበር፡ ንግዜኡ ዝብለጸልናን ኤምባሲ ከፊቱ ዶላር ክእክብ ምስ ዝውዕል ኣካል ክንዛመድ ኣይንደልን ኢና” ዝበሎ ናብ መን ዘቕነዐ  መልእኽቲ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ነዚ ምጥልላም ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ ክምድሮ ዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ነፍሰ-ሄር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ኢሪ-ቲቪ ምስ ጋዜጠኛ ይስሓቕ መሓሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ “ኢትዮጵያ ንከይትገማማዕን ከይትብተንን ጉዳያ ክትፈትን ከምኡ ድማ ወያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስ ክንሰርሕ እዩ እምነተይ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ መንግስትና እምነት እውን ክኸውን እየ ዝደ”  ዝበሎ፡ ክውሰኾ እንከሎ ኣዝዩ  ዘገርም ምግልባጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ተመኩሮ ዘይተማህሩ፡ ፍቕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ኣይክምለስን’ዩ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ኣሕዲሮም፡ “ዝትንክፈና የለን” ብዝብል ኣጉል ጉርሒ ክሳብ ምውናን ትካላት በጺሖም ዝነበሩ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተዉን እቲ ናይ 1998 ከይድገም ከም ዘስግእን ብዝተፈላለዩ መድያታት ይቃላሕ’ሎ። እዚ ዘተዓዛዝብ እምበር፡ “ፈትዮም ስለ ዝኣተዉዎ ባዕላቶም ይፈልጡ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብሰንኪ ዘይምስትውዓል ዝተወስደ ንቑጽን ርሑስን ዘይፈለየ ስጉምትን ሳዕቤኑን ዘኪሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወስዶ ስጉምቲ ሓላፍነታዊ ንክኸውን ምዝኽኻሩ  ኣገዳሲ እዩ። 

ኤርትራውያን’ውን፡ ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ዕብዳኖም ተመሊሶም፡ ክሳብ መዓስ ኢና ናይቲ “ግጉይ ምርጫ ህግደፍ ከፈልቲ ዕዳ ንኸውን?” ኢሎም፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት’ኳ ከድሕንዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተበጽሐ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ካብ ምድጋሙ ክዕቀቡ ይግበኦም።