EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

“ሓፋሽ ህዝቢ ዘርበሖን ዘየርበሖን ንክርዳእ’ሞ ንክቃለሰሉ፡ ክውደብን ክነቅሕን ይግበኦ” እዚ ኣብ ቃልስና ኩልና እንረዳደኣሉን ነዊሕ ዝዕድሚኡን ጭረሖ እዩ። ምውዳብ ክንብል እንከለና ዝተወሰኑ ናይ ቃልሲ ቅሩብነት ዘለዎም ኣካላት ኣብ ዙርያ ናይ ሓባር ዕላማ ዝድኩንዎ ፖለቲካዊ ትካል ምፍጣር እዩ። ንምዕዋቱ ድማ ብሓባር ይቃለሱ። ውድብ ናይ ቃልሲ መሳርሒ እምበር ንገዛእ ርእሱ ሸቶ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ውድባት እቲ ከም ውድብ ዝሕንጽጽዎ ፖልሲታትን ዝወስድዎ መርገጻትን ብቐዳምነት ነቶም ኣባላት ናይቲ ውድብ እምበር ንካልእ ከምዘየገድድ ንጹር እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ውድባት ፖለቲካዊ መደባትን መርገጻትን፡ ንሓፋሽ ህዝቢ እውን ፍጹም ኣይምልከቶን ኣይጸልዎን ማለት ኣይኮነን። በዚ መሰረት ናይ ሓደ ውድብ መትከላትን ፖሊሲታትን ኣብ ክሊ ናይቲ ውድብ ጥራይ ተንጠልጢሉ ክተርፍ ዝበኦ ዘይኮነስ ናብቲ ምእንትኡ ትቃለሰሉ ህዝቢ እውን ክሰርጽ ይግበኦ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ መስርሕ ምሕያል ውድብ ወይ ምምልማል ኣባል ውድብ ኣብ ሓደ ግዘ ተጀሚሩ ኣብ ሓደ ግዜ ዝቐውም ዘይኮነስ ቀጻሊ እዩ። ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ብሕጋዊ መስርሕ ናይ ህዝቢ ናይ “ይኹን” ፈቓድ ከይረኸበ ብኢደ ወነናኡ ወኪል ህዝቢ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ራኢ ንርኢቶ ህዝቢ ዝውክል’ዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ካብ ህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ ክጉስጉስ ግና ዝኽልክሎ ኣካል የለን።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ውደባ ሓይሊ እዩ። ሓይሊ ዝኸውን ግና ዝምረሓሉ መትከላት ብጥንቃቐ ናይ ህዝቢ ስምዒታትን ድሌታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እንከሎ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ህዝባዊ ዝንባለታትን ትጽቢታትን ጓሲኻ ብጸቢብ ውድባዊ ስሚዒት ጥራይ ተደፊእካ ዝግበር ጉዕዞ ኪኖ ተነጽሎ ዝህቦ ረብሓ የብሉን። ምእንቲ እዚ ኣብ ሓደ ውድብ ዝሕንጸጽ መትከላት ኮነ ኣብ መንጎ ብዙሓት ውድባት ዝብጻሕ ስምምዓት፡ እንተ ተቐባልነት ክረክብ ወይ ክንጸግ ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ክወርድን ክሰርጽን ናይ ግድን እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ውድባዊ ጽፍሕታት ጥራይ ጸምበለል ዝብል ስምምዓትን መትከላትን ግና ምስ ኩሉ ቅኑዕነቱን ወድዓውነቱን ናብ ታሕቲ ክሳብ ዘይወረደ ዘነይት ኣይከውንን። ናብ ታሕቲ ናብ ህዝቢ ክወርድ ይግበኦ ክንብል እንከለና ስማዊ ምዝርጋሕ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ንዝህቦ ኣሉታዊ ድዩ ኣውንታዊ ግብረመልሲ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግበኦ ማለት እዩ። ኣብ መስርሕ ምቕራጽ ፖልስን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እውን እዚ ናይ ህዝቢ ግብረ-መልሲ ከከም ኣድላይነቱ ቦታ ክረክብ ይግበኦ ማለት እዩ። ድሕሪ እዚ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣባላቱ ንዘይኮኑ ኣካላት እውን ዝውክል መደብ ኣለኒ ኢሉ ዝተኣማመን እንተኾይኑ እቲ ህዝቢ እዩ ክቕበሎን ዘይክቕበሎን ሓላፍነት ዘለዎ።

ሓደ ውድብ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብን ዘይክረክብ ዝውሰን በቲ ሒዝዎ ዘሎ ራእን ፖለቲካዊ ዕላማን እዩ። ኣብ ውድቡ መደባቱ ብዕቱብ ክትግብር ዝኸኣለ ውድብ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣባላቱ ዘይኮኑ ግና ለውጢ ዝብህጉ ኣካላት እውን ቅቡል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ውድባዊ ድዩ ሰልፋዊ ዕማሙ ዘይፈጸመ ኣካል ግና ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብ ሃንቀው ክብል ኣይግበኦን። እንተበለ’ውን ዝረኽቦ ውጽኢት የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ምንጻር መምዘኒ ውድብነት ምስሕሓብ ከም ዘጋጥም ዘይንዝንገዖ እዩ። ኣብ መንጎ ውድብን ምትእኽካብ ውልቀሰባትን ወይ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን ዝንጸባረቕ ምዝብራቕ’ውን በዚ ዝቃነ እዩ።

ውድባት ምስ ካለኦት መሓዙት ውድባት ዝሰማምዕሉን ዝፈላለይሉን ፖሊሲታት ኣለዎም። እዚ ፍልልይ፡ ፖሊሲ ኣብዘሓ ሰልፊ ክሳብ ዝተቐብልና ከነኽብሮን ከነመሓድሮን ዝግበኣና ናይ ደሞክራሲ መርኣያ እዩ። ሰልፍታት ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ብሓባር እንዳሰርሑ፡ ኣብቲ ዝፈላለይሉ ድማ ነናቶም ርኢቶ ዓቂቦም ናብቲ ክዳንዮም ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ይቐርቡ። እቲ ኣብ መስርሕ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ዝያዳ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዝረኸበ ርኢቶ ሰዓሪ ይኸውን። እቲ ዝተሳዕረ ድማ ስዕረቱ ክቕበል ይግደድ። እንተኾነ ብመሰረት “ናይ ብዘሓት ግዝኣት ናይ ውሑዳት መሰል” ፖሊሲ፥ ዘለኣለማዊ ሰዓርነትን ተሰዓርነትን ስለ ዘየለ፡ እቲ ኣብዘሓ ረኺቡ ዘይትግበር ኣማራጺ ፖሊሲ እውን ክስማዕ መስለ ኣለዎ። እዚ ብክለሰ ሓሳብ ደረጃ ቀሊል እዩ። ብተግባር ከቢድ ምዃኑ ከኣ ተመኩሮና መረጋገጺ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብ ናይዚ ፖሊሲ’ዚ ግዙእ ምዃን ካልእ መዋጸኦ የለን።

ዝሓለፈን ክሳብ ሕጂ ዘይሰገርናዮን ተመኩሮና ብመንጽርዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መትከል፡ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን ዘትከለ ናይ ዜሮ ድምር ግጉይ መንገዲ እዩ። ናይ ሎሚ ኩነታትና ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኣርበዓታት ፖለቲካናን ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ተመኩሮን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። እቲ ቀንዲ ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ብደሆ ከኣ ካብዚ ዘይቃዶ ኣወጋግና ፍልልያት ምውጻእን ዘይምውጻእን እዩ። ኣብ ክንዲ ክልቴና ዕዉታት እንኾነሉ ምዕቡል ናይ ፍልልያት ኣፈታትሕ ስልቲ እንኽተል ኣብ “ነዓይ ወይ ንዓኻ” ፖሊሲ ኣተሓሕዛ ፍልልያት ስለ ዝደረቕና ብዙሕ ከሲርናን ንኸስር ኣለናን። ሕጂ እውን ካብዚ ኣኽሳሪ ኣገባብ ከም ዝወጻእና ዝተኸልናዮ ውሕስነት የለን። እንወስዶ ተበግሶታት ኣብ ክንዲ ኣካቢ ዝኸውን ኣግላሊ ናይ ምዃን ባህሪ ጸኒሕዎ እዩ። ነቲ ብዘይበኣኡ ዘይኮነልና መማሓዝውትና ኣካል፡ ኣብ ክንዲ ኩነታት ኣጣጢሕናን ምክኣል ወሪስናን ንዘቕርቦ ሃናጺ ሓሳብ ብምሉእ ቀልቢ ሰሚዕናን ምሳና ከም ዝጐዓዝ ምግባር፡ ምስምስ ብምፍጣርን ዝበልናካ ተዘይተቐበልካን ወይለኻ ኢልና ኣግሊልናዮ ጉዕዞ ክንጅምር እንከለና ንዕወት ይመስለና እሞ፡ በዚ ሰኺርና ውሱን ዓቕሚ ጥራይ ሒዝና ጉዕዞ ንጅምር። ድሕሪ ውሱን ርሕቀት ናህርና ወዲእና ጠጠው ንብልን ነቲ ጠንቂ ዘይምስምማዕ ካባና ከነርሕቕ ንሃልኽን። ኣብ ግዜ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)፡ “ኣነ ኣብዚ ኣካይዳ ጐደሎ ይርኢ ኣለኹ፡ እዚ ጎደሎዚ ኣብ ዘይተዓረየሉ፡ ግዜ የብልናን ብዝብል ሸፈጥ ምጥናን ግዜ ካብ ምቕታል ሓሊፉ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ስለ ዘይኮነ ህድእ ኢልና ንሕሰብ” ስለ ዝበለ ጥራይ፡ ርኢቶኡ ተነጺጉ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስያፍ ኣንጻሩ ተሳሒሉ። “ኣብቲ ዝሰራሕናዮ ዳስ ኣጽልል እምበር፡ ዳስ ናይ ምስራሕ መሰል የልካን” እውን ተባሂሉ። እንተኾነ ሰደህኤ ተሰናቢዱ ኣይተጻዕደን። እቶም ጠኒኖም “ንኺድ ጥራይ” ዝበሉ እውን ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኮነሎምን። ሎሚ ነዚ ንጠቕሶ ዘለና በቲ ናይ ሽዑ መርገጽና ንምንያትን “ኣይበልናንዶ” ኢልካ ዳንኬራ ንምውቃዕን ዘይኮነስ ምእንቲ ንክንመሃረሉ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስ ብዙሓት ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ሰብ ጉዳይ ኣብ እንገብሮ ስሩዕ ይኹን ዘይስሩዕ ዕላላት፡ ሎሚ’ውን ኣብ ውሱን መሰማምዒ ነጥብታት ዘትከለ፡ ንኩላትና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣር ህጹጽን መተካእታ ዘየብሉን ተደላይነት ከም ዘለዎ ንረዳዳእ ኢና። እቲ ክንፈጥሮ ዝግበኣና ጽላል ከኣ ሓድሽ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮታትና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ካብ መጀመርታኡ ናይ ኩላትና ኢድ ዝዓረፎን ኩልና “ናትና” እንብሎ ካብ ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካዊ ሕሳባት ዝወጸ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣይንፈላለን። ኣብ ተግባር ግና ኣይከምቲ ኣብ ክለሰ-ሓሳብ እንሰማምዖ። እዚ ዘመልክቶ ድማ ድሌትና፡ ከቢቡና ዘሎ ውድዕነትን ዓቕምናን ከምቲ ዝድለ ይናበብ ዘይምህላዉ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ድሌታትና በበይኑ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድሌታት እንተደኣ ብመንጽር ህልዊ ኩነታት ብውሕሉል ሓላፍነት ተቓንዩ ግና ከሳኒ ዘይክእል ኣይኮነን። ንህልዊ ኩነታት ዘንጊዕካ ኣብ ናይ ገዛእ ርሽኻ ባህጊ ጥራይ ተወጢሕካ ምግላብ ግና ኣብ ዘብጸሖ ከም ዘየብሉ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ።

ንሕና ደንበ ተቓውሞ ኣብዚ ናይ ስደት ቃልሲ፡ ምስቲ ናይቲ እንብህጎ ለውጢ ቀንዲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝብና ብኣካል ተራኺብና ክንነግሮ እንደሊ ክንነግሮን ክብለና ዝደሊ ክንሰምዖን ኣይንኽእልን ዘለና። ብደረጃ ረብሓን ድሌትን ግና ኣብ ሓደ መስመር ኣንጻር ወጽዓን ዲክታተርነት ኢና ዘለና። ዋላ ብኣካል ተራኺብና ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ክንእከብ ተዘይከኣልና፡ ክንናበብ ይግበኣና። እቲ ምንባብ ካብ ዝግለጸሉ መንገድታት ሓደ ከኣ ክንውስን፡ ክንሰማማዕን ክንመሓዞን እንከለና ድሌትን ህጹጽ ጠለብን ህዝቢ ኣብ ግምት ከነእቱ ይግበኣና። ብኣካል ክንራኸብ ስለ ዘይከኣልና ስጉምትታትና ካብ ህዝቢ ዝተሰወረ ከምዘይኮነ ክንዝንግዕ የብልናን። ናብኡ ዘብጽሕ መንገዲ ክትጸርግ ከይበቓዕካን እቲ ፍርዱ እግባይ ዘይብሃሎ ህዝቢ ብቕምጡን፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ኣፍካ መሊእካ ነናትካ ቀጢን ፈትሊ እንዳመዘዝካ “ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ስርዓት እየ ዝተክል” ምባል ግና “መን መርዓት ምስ በለክን ትኮሓላ” እዩ ዝኸውን።

30 ጥሪ 2016

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

 

“ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን  ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።” እዚ ኣብ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ውሳነታት ብፍላይ ንናይ ደንበ ተቓውሞ ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ዝምልከት ዝተወስደ እዩ። ብመንጽር እዚ ሰደህኤ ናብ ምዕዋት እዚ ውሳነኡ የብጽሕ’ዩ ዝበሎ ሓሳብ ብዘይምውልዋል ክድግፍን ክሳተፎን ናይ ግደነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነዚ ውሳነኡ ሒዙ ብመትከል “እንካን ሃባን” ናይ ካልኦት ዝሓሸ መዋጸኦ ኢሉ ዝኣመነሉ ሓሳብ ናይ ምቕባል ኣፍደግኡ ክፉት ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

እዚ ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል ናይ ምፍጣር ዕማም፡ ናይ ሓባር እምበር ናይ ዝኾነ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ብሑት ሓላፍነት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “እንካን ሃባን” ንዝብል ኣምር ከነግንኖ እንግደድ። እዚ ገገዛኻ ዓጺኻ ዘይኮነስ ብሓባር ተራኺብካ ብናይ ሓባር መስርሕ ዝረጋገጽ እዩ። እዚ ዕማም ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ዕማም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውሳነን ኣዋጅን ዘብቅዕ ኣይኮነን። እቲ መስርሕ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናትና ብናይ ሓጐጽገጽ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ዝክኣል ግና ዘይልሙጽ ጉዕዞ ምዃኑ ብዓንተቦ ምርድኡ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ናይቲ ዝተናወሐ መስርሒ ጀማርን ናይቲ ብእንካን ሃባን ዝግራሕ ልዝብን ፈላሚ ወይ ዓዳሚ ኣካል ውሱን ክኸውን ይኽእል። እቲ ዘልዕሎ ሓሳብ ኣብ ሕልና ብዙሓት ዝጸንሐ፡ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ናይ ብዙሓት ንክኸውን ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። ናይቲ ዝለዓል መዛረቢ ዛዕባ ቅኑዕነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ፈላሚ ኣካል፡ ዕጉስ፡ ተስፋ ዘይቆርጽ፡ ጸዋርን ዘይተረድኦም ወገናት ብግቡእ ንክርድእዎ ግዜ ዝህብ ምዃን ከኣ ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ሓደስቲ ተበግሶታት ተወሲድም። ብፍላይ እቲ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተዓደመ ተበግሶ ናይሮቢ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብቲ እትጽበዮ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደ ዘተታትን ክትዓትን ተኻይዱ። ኣካላት መድረኽ እውን ተበግሰኦም እንታይ ከም ዝመስል ንምብራህ ሰፊሕ መብርሂ ክህብሉ ጸኒሖም። እንተኾነ እቲ ዘረባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ሕጂ እውን መሊኡ ኣይሰኸነን። መብዛሕትኡ ካብቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ሚዛናት፡ ካብ ሓልዮትን ጽፉፍ መንገዲ ምብሃግን ዝነቅል ስለ ዝኾነ ዝተባባዕ እዩ። ዝተወሰነ ግና መሰል ናይቶም በሃልቱ ንከይትግህስ’ኳ ጠቕሊልካ ትጉሕፎ ተዘይኮነ ኣተባባዒ ኣይነበረን። ከምዚ ዓይነት ዕድመ ክቐርብ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዓዳሚ፡ ግዜን ቦታን ኣኼባ ክትሓስብ እኳ ንቡር እንተኾነ፡ ቀንዲ ኣድህቦኻ ግና ኣብቲ መዕደሚ ኣኼባ ዝኾነ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰደህኤ ይኣምን። ንሓደ ኣካል ይኽን ፖለቲካዊ ትካል ብዝምልከት፡ ትማሊ ዝብሎ ዝነበረ ምድህሳስ’ኳ ጽቡቕ እንተኾነ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ቅሩብነቱ ከይትቕበል ብናይ ትማሊ ሚዛን ክትእሰር ወይ ግዙእ ክተከውን ምፍታን ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣይኮነን። “ጽባሐ ከምዚ እንተተገብረ፡ ናብ ዘይኣምነሉ ኣቕጣጫ ሒዙኒ እንተኸደኸ?” ዝብሉ ስግኣታት ኣይሃልዉ ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ “ብጽባሕ ሰጊእካ ሎሚ እገለ ቅዱስ፡ እገለ ርኹስ” ክትብል ምፍታን ግና ግጉይን ኣብ ስግኣት ዘንብርን እዩ። ንሎሚ ብናይ ሎሚ ውድዕነት ንጽባሕ ድማ ብናይ ጽባሕ ምምዛን እዩ እቲ ቅኑዕ። ደሓር ኣብ ልዕሊ ካለኦት ካብ ተጠራጠርካ ንስኻውን ከም እትጥርጠር ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እንተ ናይ ጽባሕ ተሓታትነት እታ ሴፍ፡ ዝነበረና መዝነት ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ ኩልና ተሳሒላ ዘላ እያ። ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስለ ዘይነበርካ ጽባሕ ኣይትሕተትን ዝብል ስነ-መጐት ከኣ ኣይስርሕን እዩ።

ከም እምነት ሰደህኤ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ናብ መድረኽ ምስግጋር ምብጻሕን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንክፈርስ ካብ ዘኽእሉ ምዕባለታት ቅድሚት ዝስራዕ ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ከም ናይ ህልውናኡ ዋልታን መኸታን ገይሩ ክወስዶ ዝጸንሐ ሓይሊ እንዳተሸርመመ ክርሕረሖ እንከሎ እዩ። ናይቲ ራሕሪኻዮ ምምጻእ ድርኺት ውጽኢት ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ይኹን፡ ውሽጣዊ ዕግበት ናይቲ ራሕሪሕዎ ዝመጽእ ኣካል ካልእ ኮይኑ፡ ንዓና ንደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ሓደ ኣወንታዊ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ነቲ ስርዓት ዝራሕረሐ ኣካል ስጉምቱ ኣበሪኹ፡ እንተ ምስቲ ዝጸንሐ ውዱብ ሓይሊ ሓቢሩ ወይ በይኑ ከምዚ ናይ መድረኽ ነብሱ ወዲቡ ኣንጻርቲ ንዝተወሰነ ግዜ ዝድገፎ ዝነበረ ሓይሊ ዲክታቶር ምቅላስ ክጅምር እንከሎ ከኣ፡ ንደንበ ተቓውሞና ሓደ ዘይኮነስ ብዙሕ ስጉምትታት ንቅድሚት እዩ። ንሱ እቲ ነባር ሓይሊ ተቓውሞ ከኣ ነዚ ሓደሽ ሓይሊ ተቓውሞ ብሓጐስ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ብዝብል ሰናይ ዜማ እምበር፡ ናብ “ንምንታይ መጻእካና” ብዝዛዘወ ኩራን ጸዋግ ገጽን ክቕበሎ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ቀደም “ ……. ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል ዝነበረ እዩ ዝኸውን።

እዚ ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሜዳ ደንበ ተቓውሞ፡ ብሕጂ ኣብ ደንበ ተቓውሞ መጺኦም ዝውደቡ ወሲኽካ፡ ናይ ኩላትና ኣንጻር ዲክታቶር ክንቃለስ ዝተሰለፍና ወገናት ናይ ሓባር መቃለሲ እምበር፡ ዝኾነ ካባና ግድምና፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ ይኹን ካልእ ሸነኻዊ ማእከል መሪጹ፡ ንዝፈተዎ ናይ ምፍቃድ ንዝጸለኦ ከኣ ናይ ዘይምቕባል ስልጣን ኮነ መሰል ዘለዎ የለን። ንኣብነት ከምዚ ተበግሶ መድረኽ ኣብ ምምዛን ዝንጸባረቕ “ደነጉዩ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝመጸ ኣካል ስለ ዝኾነ ተዓዳማይ ተዘይኮይኑ ዓዳማይ ክኸውን የብሉን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ ከመይ ገይሮም ብዞም ሓደስቲ ተዓዲሞም ይጋብኡ” ዝዓይነቱ ሓሳብ ዝንጸባረቐሉ መድረኻት ኣሎ። እዚ ግጉይን ንቕድሚት ዘየሰጉምን እዩ።ንመሰል ናይቶም ዕድመ ተቐቢሎም ዝተሳተፉ ከይገሃስካ ንገዛእ ርእስኻ ነቲ ዕድመ ዘይምቕባል፡ ግና ነውሪ ኣይኮነን። ዓደምቲ ከኣ ዕዱማት ተሳቲፈምሉ ኣብ ዘተባብዕ ውጽኢት ክበጽሑ እንከለዉ፡ እቲ ውጽኢት ናይቶም ተሳተፍቲ ናይ ሓባር ውጽኢት እምበር ናይ ዓደምቲ ጥራይ ገይሮም ብምውሳድ ክንየቱ እንተ ተፈቲኖም ግጉይ እዩ።

ናይ ሓደ ምቅርራብ ምፍጣር ብቐጥታ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ንምፍራስ ዝዓለመ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነን። እቲ ዳሕረዋይ ተበግሶ፡ ኣብ ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዝሓሸ ኮይኑ ኣብ ናይ ውድድር ሜዳ ተሰዓሮ ግና ዘጋጥም እዩ። ኣብ ፖለቲካ ምንባር ኣብ ውድድር ምንባር ማለት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውድድር ብሰዓርን ተሰዓርን ክስነይ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ እቲ ውድድር ብሰዓራይ/ሰዓራይ ክዛዘም እውን ተኽእሎ ምህላዉ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እዚ ዳሕረዋይ ምዕቡል ክልቴኻ ተረባሕቲ ትኾነሉ ኣወጋግና ፍልልይ ግና ንዓና ብተመኩሮ ህልኽን “ነዛ እምባይ መን ይወርሳን” ዝመጻእና ቀሊል ከምዘይኮነ ንዝንግዖ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ናይሮቢ ዝተሳተፉ ወገናት፡ ዕላምኦም ንሃገራዊ ባይቶ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ምፍራስ ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ክቐርብ ተዓዚብና ኣለና። ኣብዚ ክሲ ሰደህኤ ኣብ ናይሮቢ ስለ ዝተሳተፈ፡ ስሙ ብዙሕ ግዜ ይጽዋዕን ይኽሰስን ነይሩ። ብእምነትና ሓደ ከም ባይቶ ዝኣመሰለ ውደባ እንተ ክፈርስ እንተክሕይል ዝውሰን ብውሻጣዊ ትሕዝቶኡ እዩ። ካብዚ ውደባዚ ብናቶም ነጻ ውሳነ ወጻኢ ዝጸንሑን ዘለዉን ከም ሰደህኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት፡ እንተኾነ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ምፍራስ ባይቶ ከም ቀንዲ ማእከል ቃልሶም ኣይሓዝዎን። ምናልባት ከምኡ እንተዝገበሩ’ውን ድፍኢቶም ግዳማውን ዘይወሳንን ስለ ዝኾነ ዝርገምሉ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የለን። ሕጂ ብዛዕባ ህልውና ባይቶ ቀንዲ ዝፈልጡን፡ ዝሕተትሉን እቶም ከታትይዎ ዝጸንሑ ዋናታቱ እዮም። እቲ ባይቶ ናይ ህዝቢ እዩ ካብ ተባሀለ ከኣ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባኡ ንህዝቢ ክሕብሩ ግደታ ኣለዎም።

ምስ እዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ ናይ ሓባር ጽላል ተቓውሞ ምፍጣር ሓያል ቃልሲ ዝሓትት እምበር፡ ዝከኣል ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። ካብዚ እምነቱን፡ ካብቲ ኣብ ጉባአኡ ነዚ ብዝምልከት “ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሐ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።” ብዝብል ዘስፈሮ ቅርቡነትን ነቒሉ እዩ ኣብ ተበግሶ ናይሮብን ፍራንክፈርትን ዝተሳተፈ። መጻኢ እውን ባና ናይ ራህዋ ዝረኣየሉ ንቕሎ ኮይኑ ክሳብ ዝተራእዮ ክቕጽሎ እዩ።

22 ጥሪ 2016

للظل أو المأوى قيمة ومعنى كبيرين في ثقافة مجتمعنا، وهذا لا يرجع الي فوائده المباشرة فقط كأن يقينا الحر والبرد والمطر والعواصف، بل لأنه يعني لنا ما هو أكبر من ذلك، مادياً ومعنوياً، إذ إن الظل مأوى ومأمن وعزة وكبرياء وحجم ووزن، وفي مأواه ومسكنه يناقش الانسان ما يهمه من قضايا محلية، اقليمية ودولية. إذاً لا فرق بين الظل أو المأوى من جهة والمجلس الجامع أو التشاوري من جهة أخرى. المسكن أو المأوى يتنوع ويتشكل في بلادنا حسب العادات والتقاليد والتنوع المناخي، فقد يكون من الأخشاب أو الأحجار أو الطين ...الخ. وفوق هذا وذاك فإن المأوى أو الظل مكان ذو طابع اجتماعي يبذل ثماره لتؤوي من بحاجة الي مأوى وحماية. قد يؤوي المنزل الواحد أناساً من مشارب شتى والمنزل هو القاسم المشترك الوحيد بينهم وصاحب الفضل عليهم جميعاً.

 

الظل واحد، لكنه مأوى لكثيرين، وتحت الظل الذي يعترف سكانه بأنه ملكية مشتركة بينهم يسهم السكان بما يستطيعون من قدرات في بناء أو ترميم ما يستظلون به. وحتى يقوم الظل بوظيفة الإيواء للجميع يجب علي السكان التكاتف في بنائه والحفاظ عليه قوياً متيناً بالحرص الدائم علي وحدة القوى المقيمة علي الحد الأدنى مما يتفق عليه السكان من أهداف أو مبادئ. لا يعقل أن يضم المأوى المشترك شخصيات لا تتفق علي شيء من الأشياء، إذ لا يمكن أن يكون المنزل لبعض السكان ملجأً من البرد ولآخرين مكاناً للتلذذ باستنشاق الهواء البارد من جميع منافذ المنزل. إذاً يتوجب علي الكل التعاون مع الكل لإنجاز الأهداف المشتركة انطلاقاً من منصة المنزل الواحد ذي المصالح المتحدة والأهواء المتعددة، إذ لا نصر دون التماسك والتكاتف والحرص المشترك علي المصلحة المشتركة التي هي المأوى المشترك. وكل مأوى يقوم علي النفاق، أي علي إبطان الشر والأنانية وإظهار الحب وطيب المعشر لن يحقق سكانه نصراً ولا نجاحاً. المظلة الجامعة وسيلة لتحقيق النصر وليست في حد ذاتها نصراً تنتهي عنده الغايات.

 

من الناحية النظرية علي الأقل ليس بين مكونات معسكر المعارضة الارترية من خلاف علي إقامة المظلة الجامعة، لكن المشكلة تكمن في ضعف الحرص علي بناء مظلة فاعلة أو تفعيل وتمكين المظلة القائمة، وهذه إشكالية تتخلل أعمالنا كلها لا المظلة فقط. تجاربنا تؤكد أن جميعنا علي علم بما يعوق مسيرتنا نحو العمل المشترك. لكن المؤسف أننا مع إلمامنا بكلٍّ من الداء والدواء فشلنا في إيجاد العلاج المناسب. أهم أسباب هذا الفشل فتكمن في الاستبداد بالرأي وادعاء الصواب المطلق، الدوران حول متاهة المرارات القديمة، عدم التحرر من أسر التشبث بالمصالح الشخصية والفئوية الضيقة، عدم الاعتراف بعطاء الفرقاء الآخرين، النظر الي الماضي وحزازاته بدلاً من روح التسامح والنظر الي الأمام. تناسي دورنا وانتظار المبادرة من الآخرين مع أن الأمر يهم كل المعنيين به. كثرة التنظير وقلة التضحية والإنجاز تجاه كل ما يصب في المصلحة الوطنية العامة. عمداً أو بغير قصد هناك عدم اكتراث لمراعاة خصوصية الوضعية الارترية. 

                    

بما أن الهدف السياسي الأكبر ملك للجميع يجب أن ندرك أنه من المستحيل أن ينجزه كلٌّ منا وحده، وهنا تكمن ضرورة إقامة المظلة المشتركة لإنجاز ذلك الهدف المشترك. إلا أن هذا يستغرق من الزمن ما يستغرقه نضالنا السياسي. عندما ننظر الي قائمة ما أنجز وما لم ينجز من أهدافنا وأحلامنا نجد الكفة السالبة هي الراجحة. وإذا تركنا الماضي البعيد جانباً وقمنا بتقييم تجربة العشرين عاماً الأخيرة من عمر نضالنا نجد أنفسنا قد مررنا بمحاولات عديدة للم الشمل، ففي حقل الائتلافات السياسية نجد قوى سياسية ارترية قد اتحدت فيما عرف بتجمع القوى السياسية الارترية، ثم التحالف الديمقراطي الارتري، فالمجلس الوطني الارتري للتغيير الديمقراطي. إن عدم إنجازنا شيئاً ذا بال بعد كل هذه المحاولات لا شك يعتبر مقياساً كافياً لما انحدرنا اليه من ضعف. نجاحنا في إقامة المظلة الجامعة أو عدم نجاحنا له أثر علي كل ما نحلم به من أهداف قريبة أو بعيدة. تمكـُّــننا من إقامة المظلة خطوة أولى في مسيرة انتصار نضالنا الدءوب. أما إذا فشلنا في هذه المهمة فهذا بالتأكيد سيرد مسيرة إنجاز أهدافنا الي الخلف وفي أفضل الظروف يجعلها تراوح مكانها. وهناك العديد من الأمثلة والنماذج علي ما نقول وتكفي الحالة من العراق الي ليبيا مصدراً ثراً لأخذ الدروس والعبر. ومن المخزي والمخجل أن نمر علي هذه الدروس والعبر مرور الكرام بلا نظرة متفحصة ولا اعتبار.

 

إن إقامة المظلة الجامعة ليس مهماً فحسب، بل هو مهمة من الطراز الثقيل للغاية، وثقل وأهمية ذلك لم نستقيها من تجارب الآخرين، بل نستقيها من تجاربنا. إنها تـُــبـْــنـَـى بجهود الجميع لا بجهود القلة القليلة ولا بالطرق الملتوية والوسائل المبتسرة. قد تتم المبادرة بهذا العمل من ركنٍ ما ثم تنمو وتتسع، لكنها لا تـُــزرع اليوم لتـُــورِق وتـُـحـْــصـَــدْ غداً. كما تقدَّمَ في هذه السطور لم تثمر جهودُنا السابقة لإقامة المظلة، لكن هذا لا يغلق البابَ أمام محاولاتنا الجديدة بحجة فشل محاولاتنا السابقة، ذلك أن قصورنا أيضاً من عوامل الفشل، إذ كل نجاح في المستقبل يعتمد علي استخلاص دروس وأخطاء الماضي والحاضر. فهل نحن جاهزون لتلقي تلك الدروس؟ إن التعلم من الماضي هو اللبنة الأولى في بناء صرح المستقبل.

 

بما أنه لا بديل أمامنا فستظل محاولاتنا إقامة المظلة سوف تتواصل. ضمن هذه الجهود كان لقاءا فرانكفورت ونيروبي في الآونة الأخيرة، وكل تحفظ أو احتجاج علي مكان، زمان، مستضيفي، حضور وأجندة اللقاءين يأتي من قبل من لم تشملهم الدعوة بالذات ليس أمراً مستغرباً ولا يجب أن يكون مثيراً للهلع والانزعاج. المزعج والمؤسف هو أننا بدلاً من أن نعتبر ذلك خطوة في الطريق الي المظلة الجامعة للكل ونتبادل التهاني بيننا بهذا النصر، نعود للخلف ونثير الضغائن ضد من أعدوا أو شاركوا في اللقاءين، أفراداً وتنظيمات، هذا ومع احترامنا لكل من خاضوا في هذا الوحل، فإننا ننبههم الي أنهم بفعالهم هذه وإن نالوا من أشخاص أو هيئات فإن نيلهم من مصالح الشعب والوطن كان أنـْــكـَـى وأكثر. لذا يجب أن نتناسى خلافاتنا ومراراتنا كي ننقذ الوطن ببناء المظلة الجامعة التي نستظل بها جميعاً.

ኣብ ኤርትራ: ብኢደወነኑ ዝመርሕ ዘሎ ጉጀለ ህግደፍ ብዛዕባ ዝገብሮ ኩሉ ነገራትን ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ምቅይያራትን ንህዝቢ ብወግዒ ኣይሕብርን እዩ። ከምዚ ዝገብረሉ ምኽንያታት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ዝርዝር ከይኣተና ግና እዚ እቲ ጉጅለ በቲ ውሱን ዓቕሙን ጽልዉኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ኣትሒትካ ምርኣይን ዘንጸባርቕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ንምህዳም ዝምህዞ ጸይቂ ጥበብ እዩ። እዚ ድማ ሓደን ቀንድን ናይ ጸረ ደሞክራስነቱን ጸረ ህዝብነቱን ባህሪ ዘርኢ ተግባር እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ እዚ ጉጅለ በየናይ ፖሊስን ብናይ መን ፈጻምነትን ይመርሖ ከም ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ኣይነግሮን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ እቲ ጉጅለ ብዝፈጥሮ ኣጋጣሚ እዩ ብወዝቢ መን ኣበየናይ ቦታ ሓላፍነት ከም ዘሎን በየናይ ፖሊሲ ይመሓደር ከም ዘሎን ዝፈልጥ። ነዚ ናይ ወዝቢ ሓበሬታ ዘይተኸታተለ ኣካል ከኣ ኣበየናይ ዓለም ይነብር ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ። ከም ናይዚ ኣብነት ኣብዚ ለንቅነ እቲ ጉጅለ ንዝተወሰኑ ኤርትራዊ ወገናት ናይ መሃያ ወሰኽ ገይሩ ዝብል በራሪ ወረ ሰሚዕና። ኣብ ገለ ናይቲ መንግስቲ መኻፍልቲ ምስጢር ዝመስሉ መርበባት እውን ተለጢፉ ኣንቢብና። “መንግስቲ እየ” በሃላይ ጉጅለ ህግደፍ ግና፡ ጌና ነዚ ዋናኡ ዘይፍለጥ ወረ ኣብ ምርግጋጽ ኮነ ኣብ ዘይምርግጋጽ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ንዓኡ ዘግለለ ኣካይዳ ላድይሉ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘቕልበሉ ኣይኮነን። ምናልባት ግና እስከ ነዚ ወግዓዊ ዋናኡ ዘይፍለጥ ወረ ወሰኽ መሃያ፡ ከም ክዉን ንውሰዶ ኢልካ ብዛዕባኡ ርኢቶ ምሃብ ይከኣል እዩ። ነቶም ከም ሓቂ እሞ ዓብይ ለውጢ ኣምሲሎም ዝወስድዎ ግሩሃት ወገናትና ናብ ልቦም ኣብ ምምላስ ንክሕግዝ።

ውሳነ ማለት ካብ ብዙሕ መማረጽታት ሓደ ምውሳድ ማለት እዩ። መማረጽታት ኣብ ዘየብሉ ግና ውሳነ ኣይውሰንን እዩ። እቲ መፍትሒ ነቲ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ርኢቶ ከም ዘለዎ ምውሳድ ርዱእ ስለ ዝኾነ። ውሳነ ምውሳን ማለት ከኣ ምስኡ ንዝዛመድ ጸገም መፍትሒ ምርካብ ማለት እዩ። በዚ መንጽር እቲ ጉጅለ ህግደፍ ወሲንዎ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ወሰኽ መሃያ ቅድሚ ምርኣይ፡ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍታሕ ከኣ ዘድልዮ ጸገማት ዕምቆትን ብዝሕን ምስትብሃል የድሊ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ስልጣንን ሓላፍነትን ብሓደ ፍሉይ ጉጅለ ምናልባት’ውን ብሓደ ዝገርነወ ውልቀሰብ ምጭዋይ ዝመሰረቱ ብዙሕ ጸገም’ዩ ዘሎ። እምበርከ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መዳያት ህይወት ጸገምን ብኩራትን እዩ እንተበልናኸ ንክዉን ከም ዘለዎ ምቕራብ እምበር፡ ካብ ሓቂ ምውጻእ ድዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ጓና እዩ። ቁጥባዊ ቅልውላው ሰማይ ዝዓረገ እዩ። ኩሉ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዕጹው ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት’ውን መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ብዘላቶ ዓቕሚ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ከይዕንገል ክልኩል እዩ። ኣብ ዓዱ ዝሰኣኖ መሰልን መስተርሆን ኣብ ዓዲ ጓና ንክረኽቦ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ህይወት ከኣ ንርእዮ ኣለና።

ምስ እዚ ኩሉ እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ነዚ ኩለንተናኡ ግናይ ባህርያቱን ኣሰራርሓኡን ክሓብእን ቅኑዕን ናይ ህዝቢ ሓላዪን መሲሉ ክቐርብን ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣብ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ይፍትን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኤርትራ ያኢ ዝጠፍእ ባርዕ ስኢኑስ “ኣብ የመን ዘሎ ሓዊ ከጥፍእ እየ” ብዝብል ማእከሉ ካብ ረብሓን ኣፍልጦን ህዝቢ ኤርትራ ዝረሓቐን ሳዕቤኑ ዘይተጸንዐን ርቡጽ ዝምድናታት ንክፈጥር፡ ምስቲ ሓደ ክፋታሕ ምስቲ ካልእ ከኣ ቃልኪዲን ክኣስር ንዕዘቦ ኣለና። እንተኾነ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ደገ ብምምዕዳው ክሓባብኦ እንተፈተነ፡ ክንቃለሶ እምበር ክንግረመሉ ዝግበኣና ኣይኮነን። ካልእ ናይ ምሕባእ ሜላታቱ ከኣ፡ ነቲ መሰረታዊ ህዝባዊ ሕቶ ጓሲኻ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ዘይትግበር ተስፋ ምሃብ፡ ምናልባት እንተተግበረ ከኣ ነቲ መሰረታዊ ሕቶ ኣብ ምምላስ ጽልዋ ኣብ ዘየብሉ ጉዳያት ምትኳር እዩ። እዚ ካብ መሰረታዊ ጉዳይ ናይ ምህዳም ፈተነ ኣብ ተመኩሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝውሰን ዘይኮነስ ኩሎም መለኽቲ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝገብርዎ ግና ካብ ውድቀት ዘየድሕኖም ሃቐነ እዩ።

ከምቲ ክውረ ዝቐነየ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ተገዲዶም ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝዋፈሩ መንእሰያት 2,000 ናቕፋ፡ ነቶም ካብተን መሰረታዊ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መሳርሕን ክኢላ ሓይሊ ሰብን ዘየብለን ኮለጃት ዝምረቑ ከኣ 3,700 ናቕፋ መሃያ ገይርሎም ዝብል ሓበሬታ ሰሚዕና። ብመጀመርያ ደረጃ እዚ ኣሃዛዊ ወሰኽ ናቕፋ ሓቂ ተዝኸውን እውን ሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ 17,000 ናቕፋ፡ ሓንቲ 20 ሊትሮ እትሕዝ ጀሪካን ማይ 300 ናቕፋ፡ ሓንቲ ተሰሪዕካ ሓዲርካ እትገዝኣ ሕብስቲ (ባኒ) 5 ናቕፋ ኣብ ዝሽየጠሉ ሃለዋት ምዃኑ ኣይንረስዕ እሞ፡ እስከ በዚ መሃያ’ዚ ክመጽእ ዝኽእል ናይ ህይወት ለውጢ እንተልዩ ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዘይከኣል ኣይንሕተቶ፡ ብጽሞና ንሕልናና ንወከሶ። ካብዚ ወጻኢ እቲ ክንርእዮ ዝግበኣና ቁምነገር፡ “ሕቶ መሃያ ኣብቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐርብ ዝርዝር ሕቶታት ቦታ የብሉን’ኳ ተዘይበልና፡ “ንሱ ድዩ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ወይ ናይ ካልኦት መሰረታዊ ሕቶታት መእተዊ እዩ?” ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ዝዘርዘርናዮ፡ ንወሳንነት ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ፡ ንፍትሓዊ ምምሕዳር፡ ቁጠባዊ ነጻነት፡ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት፡ ቅዋምን ተዛመድቲ ሕግታትን ዝምልከት ሕቶታትከ በዚ ይኹን ኣይኹን ጌና ዘይተፈልጠ ናይ ቁንጣሮ ናቕፋ ወሰኽ መሃያ ክፍታሕ ይኽእል ማለት ድዩ። ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ መሰረታዊ ብኩራታት ነነብሶም ክኢሎም ግቡእ መሰረታዊ መልሲ ዝደልዩ እምበር፡ ናይ ሓደ ሕቶ ምምላስ ነቲ ካልእ ብኩራት ከቶ ኣየዕግሶን እዩ። መልሲ ንቁጠባዊ ሕቶ ናቱ ብጽሒት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ናይ’ቶም ካልኦት መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ንሓደ ኣእምሮኡ ብናይ ብዙሕ መሰላት ጽምኢ ዝናወጽ ህዝቢ ጁባኡ ገንዘብ ብምምላእ ከተሕውዮ ኣይከኣልን እዩ። “ንስኻ ብዝትኮበልካ ቁራስ ከብድኻ ምላእ ጐረሮኻ ኣተርክስ፡ ነቲ ካልእ ጉዳያትካ ዝምልከት ግና ባዕለይ ክሓስበልካ ኣየ” ምባል ከኣ ሓደገኛ ናይ ወጻዕቲ ስልቲ እዩ። ምናልባት ግና በዚ ኣገባብ ግዝያዊ መዕገሲ ምግባር ይከኣል ይኸውን። እቲ ናይ “ዘይተመለሰ ሕቶ ኣለኒ” ህዝባዊ ድፍኢት ግና መሰረታዊ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ፈኸም ምባሉ ዘይተርፍ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝድህሰስ ጉዳያት ዝዓቕምኻ ምብርካት፡ ኣብ ዘይጭበጥ ናይ ሕልሚ ዓለም ምንባር ዝመረጸ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ዘይመሰረታዊ ወስታኡ ብዙሕ ከም ዝጽበ ፍሉጥ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ተረኣናዮ ግና እቲ ጉጅለ፡ በዚ ስጉምቱ ነቲ ኣዝዩ ዝቐርዓነ ምስሉ ከሕውዮ ከም ዘይክእል ስለ ዘልጥ፡ ካልእ መራጐዲ ምህዞ ክደሊ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ሓጥያቱ ሓቢኡ “ህግደፍ ጻድቃን’ዩ ኢልኩም ፈርሙለይ” ዝብሎ ዘሎ ዘይዓርግ ገዓሩ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እቶም መብዛሕትኦም ኣሚነምዎ ዘይኮነስ፡ ፈሪሐምዎ ዘጣቕዕሉ ኤርትራዊ ወገናት “ደጊምስ ብህግደፍ ምትላል ይኣክል” ኢሎም ከቕብጽዎ ነዘኻኽሮም።

مرَّ ربع قرنٍ من الزمان وشعب ارتريا يعاني الأمرَّين من جرائم نظام الهقدف الدكتاتوري الأرعن، ليس هناك من وجهٍ من وجوه المعاناة لم يمر علي شعبنا، حيث تحولت حرية البلاد وقانونها ودستورها الي مهزلة وسجنٍ كبير.


أبقى النظام الشباب عماد البناء والتنمية رهين سجن العسكرة عبر ما أسماه الخدمة الوطنية غير محدودة الأجل فحرمه بذلك من مواصلة التعليم أو العمل أو تكوين أسرة، أو حتى المشاركة في تطوير البلاد في شتى المجالات. وكل من اعترض زُجَّ به في السجون التي فاق عددها أضعاف، أضعاف سجون الأنظمة الاستعمارية مجتمعةً. الأمر الذي أدَّى بالشباب الي خوض مخاطر الهجرة والموت غرقاً في البحار والمحيطات أو عطشاً في الصحاري.

 

وحتى من حالفه الحظ من الشباب وتخطـَّـى كل المخاطر والحواجز ففاز بالقبول لاجئاً لاحقته استخبارات النظام وطلبت منه التوقيع علي استمارات تكذيب لتقرير لجنة تقصي الحقائق عن أوضاع حقوق الانسان في ارتريا. بيد أن مواطنينا في دول الجوار وغيرها من دول العالم تكاتفوا مع فصائل المعارضة الارترية في كشف انتهاكات حقوق الانسان هناك وسوف يواصلون هذا دون هوادة، ولم يكن التحرك الدولي للتحقيق في تلك الانتهاكات إلا استجابة لتلك النضالات والنشاطات الارترية المكثفة.

 

بدأت لجنة التحقيق الدولية برئاسة السيدة/ كيتاروث شيلا وعضوية ستة آخرين عملها بتقديم طلب التأشيرة لدخول ارتريا من الحكومة الارترية لتباشر عملها من هناك، لكن طلبها رُفض. بالطبع رفض الطلب كان دليلاً ساطعاً أن لدى سلطات الهقدف ما تخشى عليه من التعرُّض لأشعة الشمس. هذا ولما اصطدمت مهمة اللجنة بهذا الرفض الرسمي اضطرت الي الاستعانة بارتريِّي المنفى وجهات أخرى ذات صلة للوصول الي ما تطلبه من المعلومات لتبرئ أو تدين النظام وفق معطيات ومسوغات جادة.

 

 

توجد بالخارج أعداد مهولة من الارتريين لجأوا الي هناك فراراً بجلدهم من جحيم حكم الفرد الدكتاتوري. ونسبةً لما يتمتع به هؤلاء في كشف ما لديهم من معلومات أو التعبير عن رأيهم كانت مهمة اللجنة يسيرةً ونظيفة. لقد استجوبت اللجنة المئات من هؤلاء الارتريين المقيمين بالمهجر. ومن تلك المعلومات والآراء أعدت اللجنة تقريرها الذي قارب 500 صفحة ورفعته الي الجهة التي كلفتها، أي مجلس حقوق الانسان الدولي. ولأن اللجنة قد توصلت في نشاطها الميداني هذا الي معلومات تؤكد إمكانية أن ترقى بعض ممارسات النظام الي جرائم ضد الانسانية طلبت تمديد مدة عملها لإجراء المزيد من التحريات حول الأمر، فمدَّد المجلس مدتها عاماً إضافياً.

 

عند ارتكاب نظامٍ ما جرائم ضد الانسانية بحق شعبه يحال أمره الي محكمة العدل الدولية بلاهاي للبت فيه وفق القانون الدولي، فإن وجد بحقه ما يدين أو يشين تصدر بحقه مذكرة اعتقال، وبالتالي إذا ثبت مثل هذا الجرم علي الرئيس الارتري إسياس أفورقي وحده أو بالاشتراك مع معاونيه يتوجب عليه المثول أمام تلك المحكمة. وعندها تكون شكاوى ومعاناة الارتريين قد وجدت صداها العالمي المستحق.

 

الدكتاتور إسياس أفورقي، مثله مثل أي دكتاتور يدرك حجم وخطورة جرائمه لن ينتظر حتى وقوع فأس المحكمة علي رأسه. إنه لا شك سيدافع عن نفسه بكل الوسائل وقد يجد أيضاً من يتعاطفون معه ويدافعون عنه، وقد تبلور هذا النشاط الدفاعي في حملة من النظام تحمل شعار "هيا بنا ننقذ رئيسنا" تخوض حرباً دفاعية وهجومية شرسة ضد ما جاء في تقرير اللجنة الدولية.

 

في هذا الإطار تم إعداد استمارة من ثلاث صفحات تملأ بواسطة مناصري النظام بما يفيد نقض وتكذيب التقرير الدولي ويتم إرسالها الي الجهات الدولية المعنية. تحتوي الاستمارة علي ما يلي:

  • النفي التام لوجود أي نوع من أنواع انتهاك حقوق الانسان في ارتريا.

  • أداء الخدمة الوطنية ليس عبودية، بل دفاع عن الوطن.

  • عدم وجود أي حالة اغتصاب في ارتريا.

  • كل الحقوق والحريات الإنسانية الأساسية متاحة في ارتريا.

  • توجد في ارتريا حكومة عادلة تنقاد بدستور وطني.      

ما أغبى هذا النظام؟؟؟!!!!!!!!!!! أتراه يحسب الارتريين والعالم أجمع عمياناً لا يرون أفاعيله؟!

 

ليس غريباً علي نظام إسياس أفورقي الدكتاتوري الذي تعوَّد أن يسجن ويقتل كما شاء أن يزعم أن الكذب حقيقة والموت حياة. نعم لا يخجل من جمع كل المتناقضات في سلة واحدة أو أن يقول مثل هذه المزاعم، إذاً ليكن تصدينا لاجتثاث نظامه حازماً وجاداً واليوم قبل الغد.

ርእሰ ዓንቀጽ ሰደህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክዳኽ አነ ርብዒ ዘመን ኣቝጺሩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾዲጩ ብዘይ ሕግን ቅዋምን ብሓይሊ ንህዝቢ ጅሆ  ሒዙ ኣደዳ ድኽነት ዳሪግዎን፤ ካብኡ ዝኸፍአ ድማ፡ ደይ መደይ ኢሉ መባእታዊ መሰሉ ብምግፋፍ ንመላአ ሃገርና ናብ ቤት ማአሰርቲ ቀይሩዋን ይርከብ።

 

 

ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምስምስ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ንዘይተወሰነ ዓመታት ኣብ ባርነት ብምቝራን፡ ከይምሃሩ፡ ስድራቤት ከይምስርቱ፡ ኣብ ምዕባለ ሃገር ከይሳተፉ ሓኒቑ ሒዝዎም ኣሎ።  ዒም ዝበለ ድማ፡ ኣብ’ተን ቁጽረን ካብ ናይ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛአቲ ብዓሰርተታት ዝብዝሕ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይዳጐን።  ከም ውጺኢቱ ድማ መንእሰይ ሃገሩ ሲኦል ኮይናቶ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩን ነቶም ዝፈትዎም ወለዱን ስድርኡን ራሕሪሑ ግዳይ ምድረበዳ፡ ውቅያኖሳትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስደትን ይኸውን ኣሎ።

 

አቲ ዕድል ገይሩ፡ ነዚ ኵሉ መስገደል ሰጊሩ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት  ናይ ፖለቲካ ዑቕባ  ረኺቡ፡ መነባብርኡ ክሰርዕ ዝፈተነ ድማ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ናይ ስለላ መርበባትን መጋበርያታትን፡ እግር እግሩ እናስዓቡ፡ ናይ ቍጠባ እምበአር ናይ ፖለቲካ ስደተኛ ኣይኰንኩን፣ ደቀንስትዮ ኣብ መደበራት ታዕሊም ኣይተደፍራን፡ ንሃገርና ንምክልኻል ብፍቶትና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንኸይድ፣ ተጣዒስና ወዘተ እናብልኩም ፈርሙ እናበለ ንዓፈናዊ ተግባራቱ ክሸፋፍን ይፍትን ኣሎ።

 

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ርሑቕ ቦታታን ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛን ዜጋን ብመሪሕ ተቓወምቲ ውድባቱ ኣቢሉ ነቲ ስርዓት ህግዲፍ ብኣልማማ ኮነ ኢሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ ጥርዓኑ ናብ ዓለምና ንምቕራብ ሰፋሕትን ቀጸልትን ሰላማዊ ስልፍታት ብምግባርን: ጽሑፋት ብምዝርጋሕን ከይተሓለለ ተቓሊሱን ይቃለስን ኣሎን። ከም ውጺኢቱ ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ሂቡሉ ብውሳነ ደረጃ  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እትምምር ኮሚሽን መዚዙ።

 

አታ ብወ/ሮ ኪታ ሩት ሸይላ አትምራሕ ብሹዱሽተ ኣባላት ዝቖመት ኮሚሽን ተልአኾኣ ንምጅማር ናብ ኤርትራ ንምእታው ዘቕረበቶ ናይ ቪዛ ጠለብ ስርዓት ህግደፍ ኣይተቐበሎን።  እቲ ስርዓት ንጠለባ ዝነጸገሉ ምኽንያት ጕደይ ክቓላዕ ኢዩ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።  በዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስረሓታ ከተሰላስል ስለዘይከኣለት፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኤርትርውያንን ካልኦት ምንጪታትን ሓበሬታታት ክትእክብ ተገዲዳ።

 

ሎሚ፡ ካብ ጭቆናን ግፍዕታትን ህግደፍ ኣምሊጡ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ማእለያ የብሉን። ስለዝኾነ ከኣ፡ መርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራውያን ረኺባ ሓበሬታ ንምእካብ ጸገም ኣይነበራን። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ረኺባ ከኣ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ።  ካብቲ ዝረኸበቶ መልሲ ድማ፡ 483 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ናብቲ ዝለኣኻ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ኣብቲ ጸብጻባ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከኽስስ ዝኽእል ምልክታት ከምዘሎ ብምእማት ንዝያዳ ምጽራይ ዕማማታ ንኽናዋሕ ዘቕረበቶ ጠለብ እውን በቲ ባይቶ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ስርሓታ ንሓደ ዓመት ክትቅጽል ተወሲኑ ኣሎ።

 

ከምቲ ልሙድ ሓደ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ኢሉ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ምስ ዝፍጸም ጉዳዩ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ  ንክውሰን ናብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ሄግ ኢዩ ዝቐርብ። ብመሰረት ዝቐርቦ ጭብጥታት ድማ ካሳብ  ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይፍረዶ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ከኣ ጉዳዩ ተመርሚሩ መርትዖታት እንተደኣ ተረኺብዎ ናብ’ዛ ቤት ፍርዲ ገጹ ኢዩ ክጐዓዝ። መረረ ኤርትራውያን ከኣ ዋጋ ክረክብ እዩ።

 

ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ከም ኩሎም መለኽቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጸላሉ ንዘሎ ፍርዲ: ኢዱ ኣጣሚሩ ክጽበ  ዘይሕሰብ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ነብሱ ዝከላኸለሉ መንገዲ ብምምሃዝ ወይጦታቱ ኣዋፊሩ አድሑኑኒ ክብል አንጸበዮ ኢዩ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ኢዩ፡ ሎሚ ቅነ “ሃየ ንፕረሲደንትና ነድሕን” ተባሂሉ ኣንጻር’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ዘቅንዐ ስርዓት ኢሳያስ ባዕሉ ዘዋፍሮ ኵሉ መዳያዊ ናይ ጠቐነ ስርሓት ዝካየድ ዘሎ።

ነዚ ዕማም’ዚ ተባሂሉ፡ ሰለስተ ገጻት ዘለዎ ቀጥዒ ተዳልዩ፡ ደገፍቲ’ቲ ስርዓት በቲ ዝተዋህቦም መምርሒ መሰረት ነቲ ቀጥዒ ፈሪሞም ክልእክዎ ጐስጓስ ይካየደሉ ኣሎ።  ኣብቲ ዘዳለውዎ ናይ ደገፍ መእከቢ ጽሑፍ (ፐቲሽን) ከስፍርዎ ዝተነግሮም ትሕዝቶ ድማ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፦ 

  • ኣብ ኤርትራ ፍጹም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን።
  • ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ባርነት ኣገልግሎት ኣይኮነን: ንሃገርካ ምክልኻል ኢዩ።
  • ኣብ ኤርትራ ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ የላን።
  • ኣብ ኤርትራ ናይ ምጽሓፍ: ርእይቶ ምቕራብ: ምዝራብ: ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር: ፍቑድ ኢዩ።
  • ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ፡ ብሃገራዊ ቅዋም ዝመሓደር መንግስቲ ኢዩ ዘሎ. . . ወዘተ።

 

እዝስ ዘስደምምዶ ኣይኮነን!!!! ጉጅለ ህግደፍ ብሓቂ ሕሱር’ዩ። ዓይንን እዝንን ህዝቢ ኤርትራ ዝርእን ዝሰምዕን ኣይመስሎን’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ክረግጽን ክምቁሕን ስለ ዝጸንሐን ዘሎን ግን፡ ንሓቂ ሓሶት: ንሞት ሂወት ክብል ዘሕፍሮ ኣይኮነን። ይኣክል! ይኣክል! ክንብሎን ብቓልስና ክንጉሕፎን ከኣ ግዜኡ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ እዩ።

الوقت ثوانٍ ودقائق وساعات، ثم أيام فشهور فأعوام، والأخيرة بالذات مقياس للزمن يمكـِّــننا من تقييم ما مضى واستقراء ما هو آت، فحتى أعمارنا وحدة قياسها العام، كذلك تتخذ الكيانات السياسية العام مقياساً لخطط عملها والتقييم الدوري لخططها حقبةً وراء حقبة عبر المؤتمرات أو الاجتماعات الدورية مثلاً. العام الجديد عادةً ما يكون محطة الأمنيات والأحلام بتحقيق ما لم نحققه في العام المنصرم. لذا كان من عاداتنا الاجتماعية أن نتبادل التهاني والأمنيات القلبية السعيدة عند نهاية أو بداية كل عام. أي أن العام الجديد محطة للانطلاق والتجديد.

 

 

العام الجديد يعني خطة عمل جديدة، ومن ثم التعهد بتنفيذ الخطة، الخطة الجديدة بالطبع رابط متين بين العام المنقضي والعام القادم. فعندما نخطط للعام 2016م لا نخطط بمعزل عن تأثيرات وآثار العامين 2015 و 2017م. فالعام 2016م ينفذ ما تبقى من خطة 2015م ويحيل ما تبقى من خطته الي 2017م. إن مدة عام كامل قد لا تكفي أحياناً لتنفيذ ما وضع لها من خطط، لذلك لابد من التدقيق في تقييم ما أنجز وما لم ينجز.

 

جراء سياسات وممارسات الهقدف عانى شعبنا خلال العام المنصرم كثيراً في شتى المجالات، فالبلاد تعيش بلا دستور ولا قانون، وتأتي في المرتبة الثالثة في العالم بعد سوريا وأفغانستان من حيث تدفـُّــق اللاجئين منها، ومع ذلك لم يعترف النظام بهذا الواقع البائس بل حاول التزييف بادعاء ما ليس له وما لم يعرف اليه يوماً سبيلاً. لكن علي العكس مما حاوله النظام من التستر علي عيوبه شهد العام الماضي إعلان أكبر فضائح النظام السياسية والحقوقية متمثلةً في تقرير لجنة مفوضية الأمم المتحدة لحقوق الانسان عن حال حقوق الانسان في ارتريا الذي حوي ما يقارب 500 صفحة تتضمن شهادات مُـدِينة للنظام بانتهاكات فظيعة ومفزعة لحقوق الانسان. وقد تعهد الارتريون المحبون للديمقراطية والتغيير بمواصلة نضالهم حتى يستأصلوا النظام القمعي المعادي لحقوق الانسان.

 

أما معسكر المعارضة فقد اعترف صادقاً بقصوره عن بلوغ قامة تطلعات الجماهير، فعلي الرغم مما شهدته نهايات العام المنصرم من لقاءي فرانكفورت ونيروبي التفاكريـَّــين لم تحقق المعارضة ما تصبو اليه من المظلة الوطنية الجامعة لمكوناتها. لكن علي المستوى التنظيمي والحزبي الفردي شهد العام الكثير من النشاطات كالندوات والمهرجانات والمؤتمرات. أيضاً لم يسجل العام المنصرم تخلص المعارضة من أهم عيوبها وأبرزها: عدم الاحترام المتبادل، غياب روح التحمل والاعتراف بالآخر، عدم الثقة بالنفس، الهروب من تقييم أخطاء الذات الي إحصاء الأخطاء علي الآخرين، عدم الإقرار العملي بانعدام إمكانية الانتصار بمعزل عن التعاون مع الآخرين و...و...الخ، بل نجد أن بعض تلك العيوب والنواقص قد ازداد كماً واستعاراً. علي أننا لم نأت هنا بما تقدم من العيوب للتثبيط بل للتذكير، فنحن نثمن ونقدر كل خطوة إيجابية تخطوها المعارضة الي الأمام.

 

عَــقـْــدُ مؤتمره الحزبي العام كان مما أنجزه حزب الشعب الديمقراطي الارتري من خطط العام المنصرم، وقد قيم المؤتمر الأوضاع علي كافة الأصعدة والمستويات واتخذ ما يناسب ذلك من القرارات والسياسات الموضوعية الحاسمة لمعالجة كل أنواع الخلل والقصور. بل قام الحزب علي الفور بتحديد وتعيين الوسائل والمعينات الكفيلة بتنفيذ ذلك. وقد شهد الثلث الأخير من العام المنقضي نشاطاً تنفيذياً مكثفاً لتلك القرارات والسياسات. لذا كان العام المنصرم عام إنجازات حزبية، وطنية، اقليمية ودولية هامة للحزب. لكن من ناحية أخرى يجب الاعتراف بأننا لم نحقق ما كنا نصبو اليه من التنسيق أو الوحدة مع من نتفق معهم في المبدأ والهدف، خاصةً في الأعمال والأهداف التي لا يمكن تحقيقها إلا بعمل أو جهد مشترك، بيد أن نضالنا ومسعانا لتحقيق ذلك قائم.

 

علي كلٍّ فإن ما قصرنا بشأنه من خطط العام الماضي يجب أن يكون محل عطفنا واهتمامنا في العام الجديد، يجب أن يكون دَيــْــدَننا الاعتراف بالخطأ والنقد الذاتي. علينا الاستفادة من دروس العام الفائت، وصحيح قد يستغرق منا الندم علي ما فات من أخطائنا بعض الوقت، إلا أن همنا الرئيس يجب أن يكون التركيز علي ما بأيدينا من فرص مستقبلية تبدأ ببداية هذا العام. لنجعل من عامنا (2016م ) الذي نستقبله محطة لتقييم ما مضى من أخطائنا وعيوبنا ووضع المعالجات الملائمة لها. علي أن يكون العام القادم (2017م ) أيضاً موضع أمنياتنا بإنجاز الحلول لمشاكلنا وتجاوزها، أو علي أقل تقدير وضع خارطة طريق شُجاعة لحلها وتجاوزها، علي أن لا تكون الشَّجاعة مجرد شعار مرفوع بل يجب أن تكون ذات قيمة عملية، علينا التخلص من فوضى حقبة الثورة والشعاراتية، فنحدد العمل وموعد إنجازه، لا أن نترك الحبل علي الغارب. ذلك أن تحديد الموعد أو المدى الزمني لإنجاز عملٍ ما يساعدنا علي تحديد ما نريد القيام به وما أنجز منه وما لم ينجز بعد، والسبب الذي حال دون إنجاز ما لم يتم إنجازه.

 

في رأي حزبنا عند حلول كل عام جديد تقف أمام قوى المعارضة مهمة مزدوجة، فالشق الأول من هذه المهمة هو تنظيمي، حزبي داخلي يحتاج الي التقييم، أما الشق الثاني فمتعلق بإسهامك في بناء المظلة الوطنية الجامعة للمعارضة. إنها مهمة واحدة من شقين إذ ليس بالإمكان الفراغ من إنجاز إحداهما ثم التفرُّغ للأخرى، إنهما مهمتان مترابطتان لا يمكن إنجاز إحداهما بمعزل عن الأخرى. إنهما مهمتان متكاملتان تسيران معاً حسب أولويات كل مرحلة علي حدة. إن أي إنجاز علي المستوى التنظيمي أو الحزبي هو إنجاز يصب في مصلحة بناء المظلة الوطنية الجامعة. والعكس أيضاً صحيح، فكل ما يتحقق من إنجاز مظلي جماعي مفيد لكل قوة سياسية مستظلة بتلك المظلة. هذا بالطبع يستدعي التحرر من النظرة والروح التنظيمية الذاتية الضيقة. كما أن المظلة الجامعة لا تكون قوية إلا إذا كانت مكوناتها قويةً وفعالة. المظلة أيضاً موقع للإسهام في العمل العام وليس مغارة لدفن نفايات قصورنا التنظيمي أو الحزبي الداخلي. يجب أن نتخذ كل ما تقدم مهمتنا للعام 2016م واجبة التنفيذ. وكل تقصير أو تفريط في إنجاز هذه المهمة ليس فقط مضراً بخططنا للنجاح والإنجاز بل يمثل خطراً حتى علي وجودنا.

 

هذا وكل عام وأنتم بخير

وعيد ميلاد سعيد

ግዜ ሓሊፉ ግዜ ክትካእ እንከሎ፡ ዓመተምህረት ጥራይ ኣይኮነን ዝሓልፍን ኣሃዝ እንዳወሰኸካ ዝቑጸርን። ካልእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝቕየር ሓፈሻዊ ምዕባለታት’ውን ኣሎ። እዚ ኩሉ ምቅይያርን ምትኽኻእን ድማ ብናይ ሰባት ኣተሓሳስባ እዩ ዝግዛእ እምበር ግዜስ ዝሓለፈ ኮነ መጻኢ ግዜ እዩ። ምስኡ ብዘሳኒ ማዕባሊ ኣተሓሳስባ ተዘይተሰንዩ፡ ብመንጽር መዕቀኒ ግዜነቱ ዓምን ሎሚ ዘበንን ሓደ እዩ። ሓደ ተመኩሮ፡ ምስቲ ዝመጽእ ምዕባለ መሰረታዊ’’ኳ ተዘይኮነ ሓቢሩ ዝመጽእ ለውጢ ኣለዎ። ንኣብነት ፖለቲካዊ ቃልስና ኣብ ኤርትራ ከም ኣብነታዊ ተመኩሮ እንተወሰድናዮ እቲ ናይ ሎሚ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ፍልልይ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ሽዑ ኮነ ሎሚ ረብሓ፡ መሰልን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ነይሩን እዩን። ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማኡ ዝረኣዩ ክንርዕሞም ዝግበኣና ለውጥታት ከም ዘለዉ ግና ክንክሕድ ኣይግበኣናን። ነቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ዝነበረ ኣገባብ ሎሚ ኣብ ግዜ ዓለም ለኻውነት (globalization) እውን ከም ዘለዎ ክንትግብሮ እንተፈቲንና ምስ ግዜን ዝምረሓሉ ዘሎ ከባብያውን ዓለምለኻውን ክነታት ከይንራጸም ከነስተብህል ይግበኣና። ካብቲ ክልተ ጫፋት ብሓዲኡ ጫፍ ከይንውሰድ’ውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብጉልባብ “ምስ ህልዊ ግዜን ኩነታትን ምኻድ” ነቲ ንናይ ሎሚ ዓውትና ዝሕግዝ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንወስዶ ዝግበኣና እታዎ (input) ሓጢጥና ከይንድርብዮ’ሞ ናብ መሰረቱ ዝተፋሕቈን ሚዛኑ ዝሰሓተን ህላወ ምእንቲ ከይንምለስ።

ኣባና ዝተጀምረ’ኳ ተዘይኮነ፡ ጉዳይ ምውራስ ተመኩሮ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ኣብ ቃልስና ኣዛራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። እቲ ምስሕሓብ ኣብ ምውሳን ዝውረስን ዘይውረስን ዝጠቓለል እዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ ዝፍጠር ምፍልላይ ብግቡእ ክናበብ ክሳብ ዝኸኣለ ዘበላልሕ እምበር እምብዛ ዝጐድእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ምስሕሓብ ነቲ ክልተ ጫፋት ናይ ኣውራስን ወራስን ፍልልይ ኣብ ምትዕራቕ እንተኾይኑ፡ ሃስያኡ ቀሊል እዩ። ኣብ ቃልስና ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ እውን እዚ እዩ። ገለ ወገናት እቲ ወራሲ ወይ ተካኢ ክፍሊ ሕብረተሰብ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብቲ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ መድረኽ ቃልሲ ዝተፈጸመ መስተንክር ጅግንነትን ሓርበኝነትን “ከይቆርመመ ከይሽርመመ ክቕበሎ ኣለዎ” ዝብል ኣብ ሓደ ጫፍ ዝተጸገዐ ንውዑይን ወሳንን ብጽሒት መንእሰይ ዘደብዝዝ ርኢቶ ይሕዙ። ዝተወሰነ ካብቲ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ኣወጊዙ ካብ ናቱ ሓድሽ ቅዲ ናይ ምጅማር ካልእ ጫፍ ክሕዝ ይደናደን። ጫፍ ምሓዝ ከኣ ኣካቢ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ክንድቲ ክኾነልና እንደልዮ’ኳ ተዘይኮነ፡ ርኢቶታት ከካብቲ ዝነበሮ ጫፋት እንዳተፋሕኰ ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ ምርኻብ ተስፋታት ይሕዝ ኣሎ።

እዚ ምስሕሓብ ዝረአን ብግቡእ ተዘይተታሒዙ ዝጐእን ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖለቲካዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና እዩ። ክልተ ሰባት ብዛዕባ ንናይ ቀደም ባህሊ ከም ዘለዎ ምውሳድን ዘይምውሳድ ክከራኸሩ እንከለዉ፡ ኣቲ ኩሉ ባህሊ ከም ዘለዎ ክውረስ የብሉን ንዝብል ርኢቶ ዝማጐት ዝነበረ “ቀደም ከምዚ ናይ ሎሚ ሕግን ስርዓትን ዝሓዘ ውርዙይ መወስቦ ኣይነበረን፡ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ጾታታት ዝግበር ርክብ ግን ነይሩ እዩ፡ ሎሚ ግና ወግዕን ስርዓትን ሒዙ ኣሎ። ስለዚ ወዲ ሰብ እዚ ዳሕረዋይ ስርዓት ከይሓዘ ከምቲ ዝነበሮ ተዝቕጽል ጽቡቕዶ መኾነ?” ኢሉ ሓተቶ’ሞ እቲ ተጻራሪ ሓሳብ ዝነበሮ ጉዳያት ተሰቊርዎ፡ ዝውረሱን ዘይውረሱን ዛዕባታት ብሓባር ኮይኖም ክመምዩ ከኣሉ ይበሃል።

ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ዝተረሓሓቐ ንምቅርራብ ኣየጸግምን እዩ። ድሌትን ቅሩብነትን ህልኽ ዘይጸለዎ ሓልዮትን ተዘየልዩ ግና ክንዲ ዝኾነ ብቕዓትን ዓቕምን ይሃሉ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ናብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ክንመጽእ እንከለና ናይ ኩለመዳዊ ዓቕሚ ውሱንነትና ዘዛርብ ኣይኮነን። ኩልና እንርደኦ ስለ ዝኾነ። ጸገማትና ክንጽብጽብን ክንሰርዕን እንከለና ግና እዚ ናይ ዓቕሚ ውስኑነት’ዚ ቅድሚት ዝስራዕ ጸገምና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቀንዲ ጸገምና፡ በታ ዘላትና ውስንቲ ዓቕሚ፡ ሓልዮትን ቅሩብነትን ሰኒቕና ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኻልና እዩ። እዚ ብኩራት እዚ ከኣ ኣብቲ ብሓባር ክንዋሰኣሉ እንብህጎ ጽላል ኮነ፡ ኣብቲ ውሱን ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ከነቕልበሉ ዝግበኣና እዩ። እዚ በዂሩና ዘሎ ግሉጽነትን ምትእምማንን እንተነማልእ ግና ነቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነትና ንምብዳህ ዓቕሚ ከነጥሪ መኸኣልና። ዓቕሚ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ ዝጥረ ስለ ዝኾነ። እዚ ነባራት ተቓለስቲ ንመንእሰያት፡ ወይ መንእሰያት ንገዳይም ዝድርብይሎም ተሓታትነት ዘይኮነ፡ ኩሎም ወገናት ነናብ ነብሶም ተመሊሶም ክፈትሕዎ ዝግበኦምን ማዕረ ሓላፍነት ዝወስድሉን ሕጽረት እዩ።

ምውርራስ ኣኼባ ጌርካ መዓልቲ ቆጸራ ቆሪጽካ፡ ካብዚ እዋንዚ ጀሚርና ኣውሪስና ኣለና ወይ ካብዚ እዋንዚ ንደሓር ወሪስና ኣለና ኢልካ ብናይ ሓደ መዓልቲ ኣዋጅ እትገልጾ ወይ መፈላለዪ ረጒድ መስመር ወይ ሕንጻጽ ተቐምጠሉ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ብናቱ መስርሕ ዝኸይድ፡ ዘዕውቶ ጻዕሪ ዝሓትት፡ ዘድልዮ ግዜ ዝወስድን ውፉያት ተዋሳእቲ ዝሓትትን ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተባህለን ብተመኩሮ ዝተራእየን እዩ። ናይቲ ኣውራሲ ግቡኡ እንዳፈጸመ ካብ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርሓቕን ናይቲ ወራሲ ግደ ኣብቲ ሜዳ እንዳጐለዐ ከም ዝኸይድ ዝግበር መስርሕ ኣብ ምድንጓይን ምቕልጣፍን ከኣ ግደ ክልቲኦም ዕዙዝ እዩ። ናይቲ ክወርስ ዝግበኦ ወናኒ ውዑይ ዓቕሚ ዘይምትጋህ፡ እቲ ከውርስ ዝግበኦ ከየውረሰ ክቕጽል ከገድዶ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ምስቲ ንሱ ዝመጸሉ ግዜን ኩነታትን ንዘዋህለሎ ተመኩሮኡ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ክድርብዮ ወይ ብግቡእ ክወርሶ ምዃኑ ንዘኣመነሉ ኣካል ክምጥዎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ኣውራሲ፡ “ስሱዕ፡ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ … ወዘተ” ዝብሉ ቅጽላት ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ “ዘየውርሰኒ” ምባል ብቑዕ ወራሲ ኮይንካ ምቕራብ ዘይስገር ቅድመ ተደላይነት እዩ። እዚ ከኣ ብቓልሲ ዝጥረ እምበር ብዓቀንካ ተሰፍዩ ዝጽበየካ ኣይኮነን።

ንመንእሰይ ምውራስ ግዴታ’ምበር ተለሚንካ ወይ ዘውርሱ ወገናት ኣቀባጢሮምልካን ጸዊዖምኻን እትርከቦ ሓላፍነት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ መሰረታዊ ናይ ምውራስን ምቕጻልን ግቡኡን ግደታኡን ተዘይፈጺሙ ዘሕትቶ ስለ ዝኾነ። ነዚ ንምፍጻም ኩሉ ኣውንታዊ መዓጹ ከይኳሕኳሕካ ጋህ ኢሉ ኣይጽበየካን እዩ። ሓንሳብ ኳሕኲሕካ’ውን ዘይክኸፈተልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብቲ መንእሰይ ዝድለ “ፈቲነ ኣብዩኒ” ኢልካ ጠጠው ምባል ወይ ዘየዕውት መንግዲ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ክሳብ እትዕወት ምቕጻልን ደጋጊምካ ምቕጻልን ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብጻዕቂ ዝበሃል፡ ከረክቡ ዝግበኦም ዘየረክቡን ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩን ፖለቲከኛታት ከጋጥሙ እንከለዉ እውን፡ ነዚ ዘይቅቡል ኣካይደኦም፡ ክሳብ ዝሓሽካ ተረካቢ ምዃንካ ብዘነጽር ቃልሲ እትረትዖም ምቅላስ እዩ እቲ ፍታሕ። እቲ ተግባር “ቃልሲ” ዝበሃለሉ ምኽንያት ድማ እዚ ክብደቱ እዩ። እዚ ሓላፍነት’ዚ ኣብቲ ተረካቢ ተደሪቱ ዝተርፍ ተሓታትነት ዘይኮነስ፡ እቲ ኣረካቢ እውን ዝርከቦ ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ገዲፍካ እቲ ጸገም ናትካ ዘይኮነስ ናይ ካለኦት ኣምሲልካ ዝግበር ህድማ ግና ሓጋዚ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ናይ ካለኦት ጌጋ ብኣራሚ መልክዑ ኣይተንከፍ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ናይ ሓባር ውፉይነት ቆላሕታ ተዘይሂብካ ግና ከምቲ “ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት ንስኽዶ ከይትበልዒ ሸዊት” ዝበሃል ረብሓ ኩልኻ እዩ ዝሃጉግ።

ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዒ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ከም ዘየለ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝተጠቐሰን ብተግባር ዝተረጋገጸን እዩ። እንተኾነ ዋላ ኣቐዲምካ እትፈልጦ ተግባር ተመሊሱ መልክዕ ቀይሩ ክመጽእ እንከሎ፡ መሊሱ ይሕደሰካ እሞ ብዛዕብኡ ክትግረምን ቃልካ ከተስምዕን ትግደድ። እነሆ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ግናይ ምስሉ ንምጽብባቕን ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንምሕባእን “ጠንቂ ስደትና ቁጠባዊ ድኽነት እምበር ፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን” ኢልኩም ኣመኽንዩለይ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ የካይድ ኣሎ። ዘገርም እዩ! እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ድኽነት እንተኾነኸ ወዮ ተጠሊዑ “ህዝቢ አመሓድርን ሃገር እመርሕን ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ካብ ተሓታትነት ይድሕን ማለቱ ደኾን ይኸውን።? እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ጸገም እዩ እንትዝበሃልከ ክሳብ ክንደይ እዩ ካብ ፖለቲካዊ ጠንቅነት ክፍለን ተነጺሉ ክረኣይን።

እዚ ከምዚ ዓይነት ካብቲ መሰረታዊ ክውንነት ናይ ምህዳምን ንውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምቕራቦምን ክትፈትሖም ምትባዕን፡ ብደጋዊ ተረኽቦታት ኣጐልቢብካዮም ንምሕላፍን ዝፍተን ተንኮላት ናይዚ ጉጅል ሕጂ ዝተጀመረ ተንኮል ዘይኮነ፡ መፋጥርቱ እዩ ተተባህለ ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ ኩሉ ግዜ ውሽጣዊ ናይ ህዝቢ ናይ መሰልን ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ሕቶታት ደፊኡ ክቀላቐል እንከሎ፡ ዘሰንብድ ደጋዊ ኩነታት ፈጢርካ ክትኮልፎ ምፍታን ዝላደየሉ መህደሚ ሜላኡ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እዚ ጉጅለ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን በብታራ ውግኣት ክኸፍት እንከሎ፡ ናይቲ ውግኣት ዕላማ ንውሽጣዊ ሕቶታት ደፊንካ ናብ ደገ ካብ ምምዕዳው ወጻኢ ዝረአ ኣይነበረን። እዚ ሕጂ ምስ በዓል ሳዑድ ዓረብዶ ኢማራት ኣንጻር ኣይሲስ ክንዋጋእ ኢና እንዳበልካ ዝግበር ዘሎ ሸበድበድ’ውን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ንህዝብና ሓድሽ መዘዝ ከየምጸኣሉ ዘይፍራሕ እውን ኣይኮነን። እንተኾነ ጉዳያት በቲ ህግደፍ ዝሓልሞ ስለ ዘይከደ፡ ብሰንክዚ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላው ንምህዳም ተባሂሉ ዝተኣጉደ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝብና ዝወረደ ሳዕቤናት ስንብራቱ እንዳ ኩልና ስለ ዘሎ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይኮነን። ስምዒትን ቀልብን ናይቲ ናብኡ ክውርወር ጀሚሩ ዝነበረ መሰረታዊ ህዝባዊ ሕቶታት ደገደገ ከም ዘመዓዱ ንምግባር ዝተኣልመ ተንኮል ንዝተወሰነ ኣዕጊስሉ ይኸውን። ናይቲ ስርዓት ወያነን ኣሜሪካን ኣንጻርና ተሰሊፎም፡ ምዕራባዊ ዓለም ህላወና ክሒዱ እዩ፡ ዝብሎ ዘይቅዱስ ምልዕዓላት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ ኣይነበሮን የብሉምን። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ግና ሕጂ እውን ኣብ ቦታኦም እዮም ዘለዉ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ብኩራት ደሞክራሲ፡ ምሕራም ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር፡ ጽዑቕ ማእሰርትን ናብ ሕጊ ቀሪብካ ንመሰልካ ዘይምክልኻልን፡ ስእነት ኩሉ መሰረታዊ ነገራትን ዘይተኣደነ ክብሪ ዋጋን፡ በቲ ጉጅለ ኮነ ኢልካ ዝስረሓሉ ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ መጻወዲያታት፡ ዘይህላወ ነጻነት እምነትን መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ኣብ እምነትን … ወዘተ ኣቐሚጥካ “ጸገምና ቁጠባዊ ጸገም ጥራይ እዩ ኢልኩም ፈርሙለይ ኢልካ ምሽሓጥ፡ ዘይክውንነታዊ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይዚ ኩሉ መከራ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ናይ ዘለካ ንዕቀትን ድፍረትን ጉሉሕ መርኣያ እዩ። ብደሙ፡ ደቁን ንብረቱን ክንዲ ነጻነት ዝኣክል ክቡር ውህብቶ ኣብ ልዕሊ ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት በደል ምፍጻም ከኣ ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ ገበን’ውን እዩ። ምናልባት ነቲ እቲ ጉጅለ ከም ቀንዲ ናይ ስደትን ምብትታንን ምኽንያት ኮይኑ ክቐርበሉ ዝደልዮ ዘሎ “ቁጠባዊ ጸገም” ከም ቅቡል እንተንወስዶኸ፡ ናይቲ ነቲ ጥንቂ ስደት ዝኾነ ቁጠባዊ ጸገም “ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሓሊፉ መንዩ ተሓታቲ ክኸውን?” ኢልና እንተንሓትት እንታይ ኢሉኾን መመለሰልና።

ናይቲ “ምኽንያትና እዩ ኢልኩም ፈርምሉ” ዝብሎ ዘሎ ቁጠባዊ ዕብራን መሰረታዊ ጠንቂ እኮ እቲ መንግስቲ ከም ፖሊሲኡ ወሲዱ ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ዘሎን፡ መሬት ሓረስታይ ብዙሕ ዘይሰርሕ ኣስማት እንዳሃብካ ምምንዛዕ፡ ንሓረስታይ ብዘይድሌቱን ዘይተጸንዐ ኣገባብን ካብ መረበቱ ምምዝባል፡ መንእሰይ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉን ጻማ ረሃጹ ዘይክፈሎን ብጉልባብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቃል፡ ከደምትን ሃነጽቲ ኣባይትን ሰብ ጹሩራ ክኸውን ምግዳዱ፡ ኤርትራውያን ሰብ ሃብትን ክእለትን ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ነብሶምን ህዝቦምን ዝጠቕምሉ ዕድላት ብምዕጻዉን ናይ ብሕቲ ድንኳናት ዓጽዩ፡ ኣብ ድኳን ሕድሪ ብምሕባእን ዝተፈጥረ ድኽነት ማለቱዶ ኣይኮነን። እዚ ሕማቕ ቁጠባዊ ኣተሓሕዛኸ መሰረቱ እቲ ነፋግን በሓትን ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ምዃኑኸ መን እዩ’ሞ ክኽሕዶ። ነዚ እትርእዮን ዝርእየካን ክውንነት ሓቢእካ “ጠንቂ ስደትና ቁጠባዊ ጸገም ጥራይ እዩ” ኢልኩም ፈርሙለይ ብምባል ካብ ፖለቲካዊ ጠንቅነት ኢደይ ሕጹብ ከም ጵላጦስ እዩ ምባል ይከኣልዶ። ጉጅለ ህግደፍ ተንኮለኛ እምበር ክሳብ ክንድዚ ዓሻ እዩ ምባል ዘጸግም እዩ። ኣብዚ መንቀራቕሮ’ዚ ምእታዉ ከኣ ካልእ መተካእታ ስለ ዝሰኣነ ጥራይ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጠር ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ናይ ስደት ጠንቂ ንጉጅለ ህግደፍ ከቶ ነጻ ከውጸኦ ኣይክእልን እዩ። “ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ ሞተት” ከም ዝበሃል እዩ እቲ ጉዳይ።

ኩሉ ናይቲ ጉጅለ ናይ ምትላል ስንክሳር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝጅመር ብሩህ ኮይኑ፥ ክመልእ እንከሎ ግን ናብ ደገ ናብ ጐረባብቲ ገጹ ጀርበብ ምባሉ ናይ ግድን እዩ። ሓደ ስርዓት ንህዝቡ ሕሱም ኮይኑ ናብ ደገ ሓዳግ ከኸውን ስለ ዘይክእል። እዚ ጉጅለ ኣብ ናይ ግዳም ኣደባባያት’ውን ንሓንሳብ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዜጋታተይ ኣይኮኑን ክብል ድሕር ዘይብል። እዚ ምስራሕ ምስ ኣበዮ ድማ ዜጋታተይ እዮም፡ ጠንቂ ስደቶም ከኣ ቁጠባዊ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን ናብ ዓዶም ተተመሊሶም ድማ ዘጋጥሞም በደል የለን ክብል ዝፍትን። “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝብል ምስላ ብምዝንጋዕ።

እዛ ኣቀራርባ እዚኣ ካልእ ጐራሕ ትርጉም እውን ኣለዋ። ፖለቲካዊ ኣበሳኻ ሓቢእካ ቁጠባዊ ጸገም ኣጉሊሕካ ቅቡል ዝመስል መለመኒ ምኽንያት ንምርካብ። ኣብዚ ዘይቅዱስ ጸወታ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ጥራሕ ኢዱ ወጺኡ ዝበሃል ኣይኮነን። ዝቖንጠርሉ ወገናት ስለ ዘለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሕብረት ኢውሮጳ ርእዩ ከምዘይረኣየ ብምምሳል “ንልምዓት” ብዝብል ዝፈቐደሉ ዝወሰኖ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቶም ዝተኹብሉን ናይ ቃለ-ዓለም ልቦም ዝኸፍትሉን ወገናት ናይቲ ጉጅለ ጸሓይ ዝወቐዖ ተንኮልን ጸረ-ህዝብነትን ተሰዊርዎም እዩ ምባል እትቕበሎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንሳቶም እውን በዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሓሳዊ ምህዞ ተኸዊሎም ስደተኛታት ናይ ምቕባልን ምምሕዳርን ግደታኦምን ሓላፍነቶምን ከራግፉ ወሲኽካ ከረጋግጽዎ ዝደልዩ ሸቶታት ስለ ዘለዎም እዩ። ንሕና እውን ዝኾነት ሃገር ትኹን ማሕበር ኢዳ ክትዝርግሕ እንከላ ቀዳምነታን ማእከላን ናታ ረብሓ እምበር ናይ ህዝብና ቃንዛ ከምዘይኮነ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ጉጅለ እውን ከምዚ ዓይነት ወፈራን ጐስጓስን ዘካይድ ነዚ ናይዘን ሃገራት ድኹም ጐኒ መዝሚዙ ዕዳጋ ኣይስእንን እየ ኣብ ዝብለሉ ህሞት እዩ። ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ከም ኩሉ ዛዕባ ሃገራት ቅድሚ ነናተን ሃገራዊ ኣጀንዳ ክሰርዕኦ ክንጽበየን የብልናን።

ሕጂ እውን እቲ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ሲኦል ናይ ምንጋፍ ሓላፍነት ኣብ ኢድና ኣብ ኢድ ኤርትራውያን እዩ ዘሎ። ነቲ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዒ ዘንጊዕና፡ ንህዝብና ንጉጅለ ህግደፍ ኣሕሊፍና ብምሃብ፡ ካብ ክውንነት ወጺእናን ንሓቂ ደፊንናን ናይቲ እቲ ጉጅለ ኣባዚሑ ዝዝርገሖ ዘሎ ዘይቅዱስ ቀጥዒ ግዳይ ክንከውን ኣይግበኣናን። እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኩለመዳይና ዝፈጸሞ ገበናት ረሲዕና፡ ኣብ መጻወድያኡ ኣቲና ከፈልቲ 2%ን መዳመቕቲ ጓይላኡን ክንከውን ኣዝዩ ዘተዓዛዝብን ዘፍኩሰናን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እንተደኣ ኣብቲ መጻወድያኦም ኣቲና፡ ናይቲ ጉጅለ ኣክላት ብደገ’ኳ ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዑ ብውሽጦም ግና ክሳብ ክንደይ ከም ዝንዕቁና ንዘክር። ስለዚ ብኣንጻርቲ ናይ ህግደፍ ጻዋዒት፡ ነቲ ብሰንኪ እዚ ጉጀለ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ነጻ ንምውጻእ ኢና ክንውደብን ዓቕምና ዝፈቕዶ ከነበርክትን ዝግበኣና። ህዝብን ሃገርን ኣማን ኣብ ዘይኮንሉ ነጻን ሓራን ዝኾኑ ገዛን ቤተሰብን ክንፈጥር ከምዘይንኽእል ኣስተብሂልና ኣርሒቕናን ኣስፊሕና ንርአ። ቀንዲ ከሻቅለና ዝግበኦ፡ ቤተሰብና ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ሓዘኖም፡ ክምርዓዉ እንከለዉ ኣብ ሓጐሶምን ብኸመይ ከም እንሳተፍ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ሃገርናን ህዝብናን ናብ ራህዋ ነብጸሖም እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሃገር ኣብ ዘይደሓነትሉ ዝስራሕ ገዛ ከኣ ካብ ቁርን ሃሩርን ኣይክከላኸለልናን’ዩ። ኣብቲ ንግዜኡ ጉጅለ ህግደፍ ዝዕንድረሉ ዘሎ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ኮይኖም መንእሰያት ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝወሰድዎ ናይ “እምቢ ምስልኻ ንምጽብባቕ ኣይንፍርምን” መርገጽ ከኣ ኣብነታዊ ጌርና ክንውስዶ ይግበኣና።

4 ጥሪ 2016

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

በብደረጃኡ፡ ሰከንድ፡ ደቒቕ፡ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ሰሙን፡ ወርሒ ደሓር ድማ ዓመት ዝብሉን ካልኦትን ናይ ግዜ መዕቀንታት ኣለዉና። ብፍላይ ዓመት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከም መዐቀኒ ግዜ እንጥቀመላ ማእከላይ መምዘኒ ግዜ እያ። ዕድመና ብዓመት እዩ ዝልካዕ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስና ኮነ ካልእ ዕማማትና ድማ “ናይ ክንድዚ ዓመት ፕላን ከውጽእ እየ ወይ ኣብ ክንድዚ ዓመት ጉባኤ ከካይድ እየ” እንዳበልና ንናይ ዓመት ማእከላይ ናይ ግዜ መለክዕነት ነጉልሖን ንሰርሓሉን። ሓደ ዓመት ወዲእካ ናብ ሓድሽ ዓመት ክእቶ እንከሎ ድማ መጻኢ ኣገዳሲስን ብተስፋ እትጽበዮን ክኾነልካ እትምነየሉን መሰጋግሮ እዩ። መጻኢ ዓመት ናይ ሰናይ ኣሳልጦን ሰላምን ክኾነልካ ምምናይ ድማ ኣካል ባህልና እዩ። ንመጻኢ እንታይ ክንሰርሕ ወይ ናበይ ክንከይድ መደብ ከምዘለና ንምእማት ድማ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዓመት ናይ ምፍናውን ሓድሽ ናይ ምቕባልን ኣጋጣሚ ኮይንካ፡ “ኣብ’ዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ከምዚ ክገብር እየ” እንዳበልካ ምምጽባዕ ዝተለምደ እዩ።

ሓዳሽ ዓመት ክትእቶ እንከላ ሓድሽ መደብ ይወጽእ። ንምትግባሩ ድማ ቃል ይእቶ። እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት መደባት ክሕንጸጽ እንከሎ፡ ምስ ናይታ ዝሓለፈት ኣረካቢት ዓመትን ምስ ንየወይቲ ተረካቢት ዓመትን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ብዛዕባ ሓድሽ ዓመት 2016 ክንሓስብ እንከለና ካብ 2015ን 2017 ነጺልና ኣይኮናን ንሓስብን ንትልምን። ምኽንያቱ 2016 ኣብ 2015 ዘይተመለአ ዋኒን ናይ ምምላእን ኣብኣ ዘይተወደአ መደባት ድማ ናብ 2017 ናይ ምርካብን ግደታ ስለ ዝህልዋ። ክንዲ ዓመት ዝኣክል ገዚፍ ናይ ግዜ መዐቀኒ ወዲእካ ናብ ካልእ ክንድኡ ዝኸውን ናይ ግዜ መለክዒ ክስገር እንከሎ፡ ነቲ ዝሓለፈ ይኹን ነቲ መጻኢ ዝምልከቱ ሓደሓደ ጉዳያት ምድህሳስ ዘይስገር እዩ።

ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ኣይተናገፉን። ኤርትራ ሕጂ’ውን ሕገመንግስቲ ዘየብላ ሃገር እያ። ብብዝሒ ስደተኛታታ ድማ ካብቲ ደድሕሪ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ተሰሪዓቶ ዘላ ሪጋ 3ይ ደረጃ ኣይወጸትን። እኳደኣ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ኩሉ ኣበሩ ሓቢኡ፡ ዘየለ ጽቡቕ ዝመስል ምስሊ ሒዙ ብምቕራብ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ተነጽሎ ክወጽእ ብዙሕ ፋሕተርተር ዝበለላ ዓመት እያ ነይራ። ብኣንጻሩ እቲ ብህግደፍ ክሕባእ ዝጸንሐ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘቖማ መርማሪ ኣካላ ብዝቐረበ ዳርጋ 500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ዝተቓለዓላ ዓመት እያ። ኤርትራውያን ተቓወምትን ደለይቲ ፍትሕን ድማ ነዚ መርመራዊ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ፡ ክሳብ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ተሳትፎ፡ ኣብ በበይኑ ናይ ዓለም ኩርነዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ጀነቭን ዋሽንግተንን ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካየዱላን ንመጻኢ እውን ተቓውመኦም ብዝሓየለ ደረጃ ንምቕጻል ቃል ዝኣተዉላን ዓመት ነይራ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ምስ ኩሉ እቲ ፍታሕ ከምጽእ ዘርኣዮ ፈንጠርጠር ካብቲ “ትሕቲ ትጽቢት ህዝብና ኢና ዘለና” እናተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣተሃላልዋ ኣይወጸን። እቲ ካልእ ካልእ ኮይኑ፡ እቲ ዝጭረሓሉ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምምስራት ጻዕሪ ደንበ ተቓውሞ እውን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይዛ ንፋነዋ ዘለና ዓመት ናይ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ኣኼባታት ዝፈጠሮ ተስፋ እንተሃለወ፡ ጌና ሩባ ዘስግር ዓወት ኣየመዝገበን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብ ክሊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝተኻየዱ ኣኼባታትን ጉባአታትን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ ዘይምክብባር፡ ምብኳር ምጽውዋር፡ ኣብ ነብስኻ ዘይምትእምማን፡ ድኽምታት ንምእራም ኣብ ክንዲ ካብ ውሽጥኻ ምጅማር ናብ ደገ ምምዕዳው፡ ብዘይካ ብሓባር በይንኻ ከም ዘይትዕወት ብተግባር ዘይምእማን፡ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኽመታት ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት’ውን ካብ ደንበ ተቓውሞና ኣይወጹን። ወረ ኣብ ገሊኡ ዛዕባስ እቲ ክእረም ዝተጸበናዮ ድኽመታት ዝያዳ ዝሳዕረረሉ’ውን ርኢና። እዚ ክበሃል እንከሎ ከም ርዱእ ንምውሳዱ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ኢድካ ዘይመልእ ዝተረጋገጸ ውሱን ዓወታትን ናይ “ሕጂ እውን ይከኣልዩ ክንቅጽል ኢና” ዝብል ኒሕን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ደገፍቲ ለውጢ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዛ ንፋነዋ ዘለና ዓመት ሒዝዎ ካብ ዝነበረ ቀንዲ ዕማማት ምክያድ 2ይ ሰልፋዊ ጉባአኡ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝተለሞ ድማ ኣብዚ ንምድላዉ ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመታት ዝካየድ ጉባአኡ፡ ዓበይቲ ኣብቲ ሰልፊ ተደሪቶም ዘይተርፉ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ጽልዋ ዘለዎም ዛዕባታት ዳህሲሱን ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲኑን። ሰደህኤ እውን ከም ኣካል ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክንድቲ ክስጉሞ ዝግባእ ከም ዘይሰጐመ ዘርኢ ገምጋማት ኣብዚ ጉባአኡ ኣካይዱ፡ መዋጸኦ ዝብሎም ኣገደስቲ ፖሊሲታት ሓንጺጹ። ናይ ኣተገባብራኡ ሜላታት ስኢሉ ፈጸምቲ ትካላት’ውን ኣቚሙ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሲሶ ዓመተ 2015 ድማ ውሳነታት 2ይ ጉባአኡ ንምዕዋት ብዘኽእል ኣገባብ ነብሱ ክወዳድብ ጸኒሑ። ምስዚ መስርሕ ምድላው ጉባአ ጐኒንገኒ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ኣብ ኩሉ መዳያት፡ በቲ ሓደ ወገን ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግድፍ ኣብ ምቅላዕ፡ ብቲ ካልእ ወገን ድማ ብሓፈሻ ንደንበ ተቕውሞ ብፍላይ ድማ ንፖሊሲታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንምስራጽን ምስ ዓለም ለኻውን ዞባውን ትካላት ንምልላይን ከይሰልከየ ዝሰርሓላ ዓመት ነይራ። ኣብቲ ምስ ካለኦት ተመሳሳሊ መትከልን ዕላማን ዘለዎም ብሓባር እምበር በይንኻ ዘይዕመም ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምፍጣር ዕማሙ ግና ኣይተዓወተን። እቲ ቃልሲ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ’ውን ቀጻሊ ኣሎ።

“ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ዝተረፈ” ከም ዝበሃል ዘረባ ለባማት፡ ኣብዚ ሓደ ዓመት ኣፋኒኻ ካልእ ሓድሽ ዓመት ናይ ምቕባል መሰጋገሪ እዋን ኮይንና፡ ብዛዕባቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከነዕውቶ ዝግበኣና ዝነበረ እሞ ዘየዕወትናዮ ኣይኮናን ክንቁዝም፡ ክንትክዝን ክንጠዓስን ዝግበኣና። ብርግጽ ድኽመትና ኣሚና ነብስና ብመንጽር ናይ ዝሓለፈ ውጽኢትና ክንነቅፍ ቅቡል እዩ። ናይ መጻኢ ዓመት መደባት ኣብ ምዕዋት እውን ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። ንናይ ዝሓለፈ ዓመት ክንመልሶ ዘይንኽእል ናይ ሕጽረት ተመኩሮና ሕራይ ኣይንረሰዓዮ፡ ቀንዲ ኣድህቦናን ቆላሕታናን ግና ናብቲ ጌና ኣብ ኢድና ዘሎ መጻኢ ዓመት እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዛ ንርከባ ዘለና መጻኢት ዓመት 2016፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘረዘሩ ድኽመትና ኣጉሊሖም ዘርእዩ ሕጽረታትን ዘይቅርዑይ ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ከነእርሞም ክንክእል ኣለና። ነታ ንየወይቲ ቀጻሊት ዓመት 2017፡ እንተኾነ ኩሉ ጸገማትና ፈቲሕና፡ እንተዘየለ ከኣ፡ “ጸገማትና ክንፈትሕ ከም እንኽእል ዝእምት ንጹር መንገዲ ከነረክባ ይግበኣና” ኢልና ብትብዓት ክንነቅል ይግበና። እቲ ትብዓት ኣብ ምጭራሕ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ምትግባር ምዃኑ ከኣ ከነርኢ ይግበኣና። ኣብ ክንዲ ኣብ ፍኑው ናይ ግዜ ሜዳ ንጭርሕ መዓስ እንታይ ከም ንሰርሕ ንምምልካት ምስ ግዜ ውዱእ ቆጸራ እንተንሕዝ’ውን ጽቡቕ እዩ። እዚ ናይ ግዜ ደረት ምስፋር እንታይ ክትሰርሕ መዲብካ፡ ካብኡ እንታይ ተግቢርካ፡ እንታየከ ኣይተግበርካን፡ ስለምንታይከ ከምኡ ኮይኑ ኣብ ምግምጋም እውን ሓጋዚ ስለ ዝኾነ።

ከም እምንቶ ሰደህኤ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት እውን ከም ወትሩ፡ ኩልና ውድባትን ሰልፍታትን ድርብ ዕማም ይጽበየና ኣሎ። እቲ ሓደ ኣብ ወውድብካን ሰሰልፍኻን ዝዕመም ውሽጣዊ ዓቕሚ ምፍጣርን ነጻነትካ ምውሓስን እዩ። እቲ ካለኣይ ድማ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰን ኣርሒቑ ዝጥምትን ስሙ እንታይ ንበሎ ብዘየገድስ ናይ ሓባር መድረኽ ወይ ጽላላ ምፍጣር እዩ። እዞም ክልተ ዕማማት ነቲ ሓደ ወዲእካ ደሓር ናብቲ ካልእ ዕማም ትኸደሎም ዘይኮኑስ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝመጋገቡ፡ ማዕረማዕረ ዝዕመሙ እዮም። ቅድም ውድባዊ ዕማምካ ትውድእ እሞ፡ ነዚ ወዲእካ ድማ ናብ ምውዳብ ናይ ሓባር ጽላል ትኸይድ፡ ወይ ንውድባዊ ዕማም ጠጠው ኣቢልካ ናብ ምስራሕ ጽላል ትኸይድ ማለት ዘይኮነስ፡ ከከም መድረኹ ናይ ቀዳምነታት ኣሰራርዓ ክብን ለጠቕን’ኳ እንተሃለወ፡ ማዕረማዕረ ዝጐዓዙን ዝመጋገቡን ዕማማት እዮም። እዚ ማለት እቲ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ብዝግበ ጻዕሪ ዝፍጠር ዓቕሚ፡ ናይቲ ናይ ሓባር ጽላል’ውን ዓቕሚ እዩ። እቲ ድንፉዕ ጽላል ከኣ ተመሊሱ ናይቲ ኣብቲ ጽላል ኣጽሊሉ ዘሎ ሓይልታት ዓቕሚ እዩ ዝኸውን። ነዚ ክትገብር ከኣ ካብ ውሱን ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸቢብነት ወጺእካ፡ ኣብ በሪኽ ቦታ ደይብካ ሰፊሕ ራኢ ከተጥሪ የድሊ። ኣብዚ ሓደራ እንብሎ ብቑዓት ኣባላት ዘየብሉ ጽላል ብቑዕ ክኸውን ከምዘይክእል እዩ። ደሓር ጽላል ንምሕያሉ ኣስተዋጸኦ ተበርክተሉ መድረኽ እምበር ውድባዊ ድዩ ሰልፋዊ ሕጽረታትካ ትሓብኣሉ በዓቲ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ናይ 2016 ዕማምና ኢልና ክንወስዶ ይግበኣና። ክንትግብሮ ከኣ ብዘለና ዓቕሚ ንጽዓት። ካብዚ ወጻኢ እንኸዶ መንገዲ ግና ናይ ለውጢ ዕላማና ኣየዕውትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህልውናና እውን ሓደገኛ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና።

ርሑስ ልደትን ሓድሽ ዓመትን

31 ታሕሳስ 2015