ህዝቢ ኤርትራ እንታይ’ዩ ዝደሊ? ህግደፍ ከ?

2024-04-25 08:05:07 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 251 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን  ምስ ኩሉቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምትፍናንን ዘይምትእምማንን፡ ዝምድናኦም  ከም ናይ ህዝብን መንግስትን ርክብ እዩ ዝግለጽ። እዞም ክልተ ኣካላት እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊቲ ካልእ ዘለዎም ሚዛኑ ካልእ ኮይኑ፡ ከም ልሙድ እቲ ሓደ  ብዘካይቲ ካልእ ዝግለጽሉ ህልውና ስለ ዘየብሎም።  ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ ኤርትራኮ መንግስቲ የለን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ወገናት ከም ዘለዉ ስዉር ኣይኮነን። እቲ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ግና “ምህላዉን ዘይምህላዉን” መንግስቲ ዘይኮነ፡ ካብ ባህርያቱን ተግባሩን ነቒልካ   ስማዊ መንግስቲ ምዃኑ እዩ። ኮታ ዝምድና  ህግደፍ ምስ ህዝቢ ብመንጽር  ባህርያቱ፡ ተግባሩን ኣካይዳኡን ክምዘን እንከሎ ርሑቕ ከይከድካ ናይ ጨቋንን ተጨቋንን እዩ።

ህዝብን መንግስትን እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ዝተፈልየ ህልውና የብሉን ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ሚዛን ንክሕለው፡  እቲ ሓደ በቲ ካልእ ክማለኣሉ ዝደልዮ ጠለብ ኣለዎ ማለት እዩ። ናይዞም ክልተ ወገናት ድሌት ሚዛኑ ተሓልዩ ከም ዝቕጽል ኣብ ምግባር ብቐንዱ ግደ ህዝቢ ዘይስገር ኮይኑ፡ እቲ ብዝለዓለ ዝሕተት፡ ናይ ተጸዋዕነት  ሓላፍነት ዝወስድን ግና መንግስቲ እዩ። እቲ ምምጥጣን ድሌት ናይ ክልቲኦም ምዕቃብን ዘይምዕቃብን  ከኣ፡ መንግስቲ ካብ ዝፍተነሉ ሓደ መምዘኒ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። እቲ ካብ ግዝያውነት ከይወጸ ዝኣርግ ዘሎ ምምሕዳር  ህግደፍ  ሚዛን ህዝብን መንግስትን ኣብ ምሕላው ተፈቲኑ ብሰንኪ ዘይምሕላፉ፡ ናይ ውድቀቱ ሓደ መርኣያ እዩ። እቲ ወትሩ ንድምጺ ህዝቢ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ድማ፡ ነቲ ፈተና ዘይምሕላፉን  ጨቋኒ መለለይኡን ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ  ህግደፍ “መንግስቲ እየ” ካብ በለ፡ “ኣብ ዘይሰማዕካ ደብሪ ኣይትማህለል”  ከም ምባል ዝውሰድኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ክምልሰሉ ዝግበኦ ሕቶታት ነይርዎ፡ ኣለዎ፡ ንመጻኢ እውን ክህልዎ እዩ። ሰላማዊ፡ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ክወሓሰሉ ይደሊ። ኣብታ ብቃልሱ ዘውሓሳ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ብዘይስግኣት፡ እግሩ መሊኡ ዝረግጸሉን ኣፉ መሊኡ  ሓሳቡ ዝገልጸሉን ህዱእ መነባብሮ ክፍጠረሉ ይጠልብ። “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ከም ዝበሃል፡ ብዘይድልዎን ተጽዕኖን ሰሪሑ ብጸጋታት ሃገሩ ንገዛእ ርእሱን ሃገሩን ከርብሕ ይብህግ። “ይኾነኒ”  ኢሉ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ብዝመረጾ ኣካል ክመሓደር ሃንቀው ይብል። ኣብ ትሕቲ ርትዓውን ፍትሓውን መስርሕ ክዳነ ይናፍቕን ምስ ጐረባብቱ ሃገራት ኣብ  ሰላማውን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ክነብር ከኣ ባህጉ እዩ። እዚ ኩሉ ባህግታት ሓደ ጉጅለ ወይ ሃላሊ ውልቀሰብ ዝህቦን ዝኸልኦን ምእንቲ ከይከውን ድማ፡ ባዕሉ ብዘጽድቖ ሕገ- መንግስቲ ዝተዋሕሰን ብትካላት ዝእለን ክኸውን  መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

እቲ ህዝቢ ሓላው ስልጣኑን ኣገልጋሊኡን ጥራይ ክኸውን እምበር፡  ድምጹ ክሰምዕ ባህርያቱ ዘይፈቕደሉ ኣሽካዕላሊ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክኾነሉ ከም ዝደሊ ዘመልክት ስሱዕ ህርፋ ኣለዎ።  ነቲ ከስርጾ ዝደሊ መላኺ ኣተሓሳስባን ጭቆናኡ ዘቐጽለሉ ባህልን ዝርዕምን ዝጣበቕን ህዝቢ ክኾነሉ ተጽዕኖኡ የሕይል። ካብቲ ብዙሕ ዕላማታት ወተሃድራዊ መደበር ሳዋ ሓደ ከኣ ነዚ ምዕኳኽ እዩ። ብዛዕባ ኣድላይነት ሕገ-መንግስትን ምስኡ ዝመጹ ትካላዊ ጸጋታትን ዘይሓትት ዓይኑ ኣዕሚቱ “ኣንታ ንበረልና ጥራይ” ዝብል ከም ህዝቢ ምሕሳብ ዘዋደቖ ሕብረተሰብ ክሃንጽ ይጽዕት። ብዛዕባ  መሰሉ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዘይሓትት፡ ካብ ጸጋታት ሃገረይ ክጥቀም ዘይብል፡ ንዓመጽን ጥልመትን ህግደፍ ርእዩ ከምዘይረኣየ ዝኽውን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተስፋ ቆሪጹን ርዒዱን ብዛዕባ መጻኢኡ ዘይሓስብ ንህግደፍ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ቆጺሩ ዝጽበ፡ “ኣበይ ንደቅስ እንተተባህለ፡ ኣቦኻ ኣብ ዘደቀሱና” ብዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ዝደዓዓስ ኣብ ሕድሕዱ ዘይተኣማመን ህዝቢ ክኾነሉ ክግዘኣሉ ይደሊ።

ደድሕሪቲ ብሰንኩ ዝተሰደ መንእሰይ እናሰዓበ፡ ሕልናኡን ገንዘቡን ዘይበቀሉ ክኾነሉ እውን ይሃርፍ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ክሳብ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራቤታት ተመጣጢሩ፡ ኩሉ መርዓድን መፈራርሕን መሳርሒታቱ ይጥቀም። ናይ ኩሉቲ ብቐጻሊ ዝወስዶ ዘየናሕሲ ምእሳር፡ ምስዋርን፡ ብስዉር ምቕታልን ኣብ ናይ እገለ መንግስቲ ተመኩሮ ተራእዩ ዘይበሃል ጭካን መልእኽቲ ከኣ ናብ ዘይረዊ ህርፋኑ ንምብጻሕ ዝመረጾ ስልቲ እዩ። ነዚ ምስቲ “ኤርትራ መሬታ እምብር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ዘይሰብኣዊ ጭረሖ ገዛእቲ ዘዛምድዎ ናይ ታሪኽ ፈለጣት ኣለዉ።

ስለዚ ክሳብ ክንደይ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ በጺሑ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዘሎ ናይ ትካል ዘይኮነ ናይ ጉልበትን ሓይልን ዝምድና ዝተረሓሓቐ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ጨቋንን ተጨቋንን ዝተሰረተ ተጸራሪ እዩ። ኣብቲ ዕለታዊ መስርሕ ሓይሊ፡ ዓመጽን ራዕድን ዝፈጠሮ ግዝያዊ ልዕልና ህግደፍ ይረአ እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዕር ግና እቲ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸውን ዘወላውል ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ክኾነሉ ዝደልዮ ዝነበረን ህግደፍ ህዝቢ ክኾነሉ ዘማዕድዎን በበይኑን ንመንግስትነት ህግደፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘውድቖን እዩ።

ምስ ህግደፍ ተሰሊፉ መሰረታዊ መሰሉ ኮነ ረብሓኡ ዘረጋግጽ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይህሉ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ናይ ዝሓለፈ 33 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ብተመኩሮና ጥራይ መረጋገጺ እዩ። እንተኾነ ነዚ ዘይተርፍ ሓቂ ክሳብ ዝግንዘቡ፡ ምስቲ  ኣንጻር ረብሓኦም  ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዝተሰለፉ፡ ግንዛበኦም ክውስኽ እንከሎ ግና በብግዜኡ ካብታ ናይ ህግደፍ መርከብ ወሪዶም፡ ናብታ ሓቀኛ ናይ ለውጢ መርከብ ከም ዝሳፈሩ ፍሉጥ እዩ። መጻኢ ናይዞም ክሳብ ሎሚ ንህግደፍ “ንበረልና” ዝብልዎ ወገናት እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝርኣይ ኣይኮነን። ናይቶም ናይ ትማሊ ተግባሩ ሓቢኡ፡ ብዘይጭበጥ ናይ ጽባሕ መብጸዓ ኣብ ዲያስፖራ ዘጸልሎም ዘሎ ዕሸላት ተሳትፎ’ውን በመንጽርዚ ዝውሰድ ኣብነት እዩ።

ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጭቆና መጋበርያኡ ክኽውን እምበር፡ ንጸገሙ ዝርኢ ዓይንን ሕቶኡ ዝምልስ  ባህርን ከጥሪ ማለት ዘበት እዩ። በዚ መሰረት እዩ ድማ ቃልስና ህግደፍ ሓሳቡ ቀይሩ ሕቶ ህዝቢ ንክምልስ ዝጽበ  ዘይኮነ፡ ተቓሊሱ ዝስዕሮ ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ ንቕድሚት ዝስጉም  ክኸውን ዝግበኦ።

Last modified on Thursday, 25 April 2024 10:09