ኣብ 1948 ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ  ዝዓበየን ዝተማህረን፡ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ ዑስማን ዓብደርሒም፡ “ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ስደት ዓሪፉ” ዝብል ዜና ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንና። ዑስማን ካብቶም ኣብ ሱሳታት ኣሰር በዓል ኣልኣሚን ዓብደላጢፉ ተኸቲሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደርፊ ዝጀመረን  ካብቶም ኣብቲ እዋንቲ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮም ደረፍቲ ሓደ  ኮይኑ፡ በተን፡

“ፍልስፍና ገድሊ ምግስጋስ ስምረት እዩ መባእታ፡ ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓደ ዋልታ። ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቓ ደንደስ ባሕሪ፡ ሎሚ ተዘኪሩኒ ዘሕለፍኩዎ ፍቕሪ። ኣብ ገዛና ዘሉኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ፡  ሕጅስ ንዑ ውጹ መጺኦም እዮም ስድራይ። ኣብዛ ዓለም ኣላይተይ፡ ኣደይ’ያ ወላዲተይ። ዓቕሊ ጽበት ኮይኑኒ ኣይከኣልኩን ንበይነይ። ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ ተሳቐኹ ዋይ ኣነ። ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ። ጸላም ብሮት ዘላታ ኣብ ምዕጉርታ።”  ብዝብሉን ካለኦት ሰሚዕካዮም ዘይምነዉን ዜማታቱ ዝፍለጥ ክኢላ ነይሩ።

መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እናበሉ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

8 መስከረም 2024

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቱርክ ኣዲን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ኣብ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከም ዝወደቑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣምንስቲ ከም ዝገለጾ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ ኣብየቶ ኣብ ዝበሃል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ጌና ኣብ ቱርክ ተታሒዞም ዘለዉ ብዘይድሌቶም እንተተሰጒጎም እውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኩነታት እቶም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣገዲድካ ናይ ምስጓጎም መደቡ ኣቃሪጹ ብመሰረት’ቲ ብ1951 ዝፈረሞ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ነዞም ኤርትራውያን መሰል  ዕቑባኦም ከኽብረሎም ጸዊዑ።

ኣምንስቲ እቶም ግዳያት ንቐረቦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝሓበርዎ፡ ንክስጎጉ ተዳለዉ ከም ዝተባህሉን ናይ መግቢ፡ ሕክምና፡ ክዳንን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ጸገም ከም ዘለዎም ምሕባሮም ጠቒሱ፡ ብዛዕባቲ ዝተወሰኖም ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላሶም  ነብሶም ናይ ምክልኻልን ሓሳቦም ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዝተነፍጎም ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ፡  ምስ ተመለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብዘይክስን ብዘይፍርድን ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ዜጋታትን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላት ብተደጋጋሚ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

Thursday, 05 September 2024 20:53

Dimtsi Harnnet Kassel 05.09.2024

Written by

ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ፊትንፊት

ሓደ መድረኻዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝተለምደ እዩ። ኣብ ኤርትራ 16 ዝበጽሓ ብወግዒ ዝዝከራ ዓመታዊ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከም ዘለዋ ይንገር። ካብኣተን ሓንቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እያ።

ከምቲ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ 24 ጉንበት ክንጠቅስ ናይ ግድን ዝኸውን፡ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ከኣ ባሕቲ መስከረም፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተን ጐቦ ኣዳልን ጓሲኻዮም ዘይሕለፉ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም  ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ፡ ጐቦ ኣዳልን ምጅማር ተሓኤን ክለዓሉ ዝቐነዩ።  እቲ ኣለዓዕላን ኣመዛዝናን መሰረቱ ከይሰሓተ ከከምቲ መልዓሊኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ነቲ ታሪኻዊ ተረኽቦ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ሜላታትን ምቕናዩ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ደረት ሓሊፉ ክሳብ “ብሰብ ዝተሳእለ ሓሳባዊ እምበር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝበሃል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣይነበረን። ጐቦ ኣዳል ዝበሃል ቦታ ከኣ ኣብ መሬት ኤርትራ የለን”፡  ክሳብ ምባል ክብጻሕ እንከሎ ግና፡ በሃልቱ “ኣይፋል ናብ ቀልብኹም ዳኣ ተመለሱ” ክበሃሉ  ዝግባእ እዩ።

ታሪኻዊ ጥምረት ዓዋተን ኣዳልን ብዙሓት ኤርትራውያን ብዕምቆትን ስፍሓትን ኣጽኒዖም ዝመዝገብዎ ኣብ ርእስሲ ምኳኑ፡ ነቲ ኣካል ባህርያዊ ትዕድልቲ ኤርትራ ዝኾነ ጎቦ ኣዳል የለን ምባል ከኣ፡ ኣቀማምጣ መልከኣ-መሬት ኤርትራ ዘይምፍላጥ ወይ ነቲ ጎቦ ኣልዒልካ ንኻልኦት ምዕዳል እዩ ዝመስል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣቐዲሙ’ውን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንሓርበኝነት ዓዋተ  ክሳብ  ብሽፍትነት ዝገልጽ ፈተነ ክሕደትን ምንእኣስን ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈተነ ስለዝነጸጎ፡ ኣብ ምጅማርን ጀማሪኡን ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ክእመኑን ተገዲዶም እዮም። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ናይ 2024 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ኣዝዩ ሓጺር መግለጺ’ኳ ስም ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ክጠቅስ ኣይደፈረን። እዚ ከምዚኡ እንከሎ ብዛዕባ ዓዋተን ገድሉን ኣብ ጉግልን ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ ሰነድትን’ውን ሃሰስ ኢልካ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ካብቲ ሰፊሕ ታሪኽ  ቁሩብ ቀንጪብካ  ምጥቃስ ከኣ ይከኣል።

“ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ብ1910 ኣብ መንጎ ተሰነይን ጐልጅን ኣብ እትርከብ ዓዲ ገርሰት ተወሊዱ። ሓረስታይ ወላዲኡ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮ፡ ንወዱ ሓሚድ  ኣብ ንኡሱ ዕድመኡ ኣጠቓቕማ ብረት ዓሊምዎ። ኣብ 1935 ድማ ሓሚድ ወተሃደር ኢጣልያ ኮይኑ ተኸቲቡ። በቲ ዝነበሮ መንቋሕቋሕታ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ሮማ  ኢጣልያ ተላኢኹ። ድሕሪ ትምህርቱ ብግቡእ ተኸታቲሉ ምምላሱ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ተኸታታሊ ጸጥታ ኮይኑ ተመዲቡ ሰሪሑ። ሓሚድ ንቁሕ ስለ ዝነበረ ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ናራ፡ ሕዳርብ፡ ኩናማ ከምኡ ድማ ጥልያን ይመልኽ ነይሩ። ድሕሪዚ ኩሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጠዓሞን ምስ ምምሕዳር ኢጣልያ ስለ ዘየሳነየን፡  ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።

ኣቦመንበር ፓርላማ ኤርትራ ዝነበሩ ሼኽ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝርከብዎም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ምሁራትን ተመሃሮን ኣብ 1960 ኣብ ከተማ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) መስሪቶም። ድሕሪዚ ኣብ ሜዳ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተሓኤ መን ይምረሓዮ? ምስተባህለ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስቲ ዝነበሮ ትብዓትን  ናይ ብረት ልምድን እሞ ምስቲ ዘርኣዮ ቅሩብነት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንእተበሰር ጉጅለ ክመርሕ ተመዚዙ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ድማ ካብ ከተማ ኣቑርደት ንወገን ምዕራብ ኣብ እትርከብ  ጐቦ ኣዳል  ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ  ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ውግእ ብምክያድ መሪሕነታዊ ተልእኮኡ ኣበሲሩ። ብ28 ጉንበት 1962 ድማ ተሰዊኡ ኣብቲ ዝተሰወኣሉ ቦታ ብምስጢር ተቐቢሩ። ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ከብቲ ገለ ወገናት ክብልዎ ዝፍትኑ፡ ዘይነበረ ክነሱ ብሓሳብ ዝተሳእለ ዘይኮነ፡ ህያው ነይሩ ዶር ከራር ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተባህለ፡ ተማሂሩ ዝወለደን ዝዘመደን ዉዱ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት  ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኤርትራ ክዛረብ ዝስማዕን ዝረአን  ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቅዚ ክሒዶም ኣይነበረን ወይ ብረታዊ ቃልሲ ኣየበሰረን ዝብሉ ወገናት እምበኣር፡ ኣብ “ሰብነቶም” እውን ጸገም ዘለዎም እዮም። ነቲ “ጐቦ ኣዳል” ዝብል ምስቲ ገለ ኢትዮጵያውያን ደረስትን ተረኽትን “ናይ ዓፋር ናይ ቀደም መጸውዒ ኣዳል እዩ ነይሩ” ዝብልዎ ከጋጭውዎ ይስምዑ እዮም።”

ኣብ ታሪኽ ክንነብርን ቀዳሞት ብዝሰርሕዎ ጥራይ ክንንየትን’ኳ ቅኑዕ እንተዘይኮነ፡ ታሪኽካ ምርሳዕ፡ ምኽሓድን ምንእኣስን ግና ሎሚኻን  ጽባሕካን ዝዘርግ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ሕጽረታት ታሪኽና ምኳኑ ተቐቢልና፡ ንናይ ትማሊ ፍጻመ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እምበር፡ ሎሚ ብዘሎ ኩነታት ምምዛኑ ናብ ጌጋ እዩ ዝወስድ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዓለማዊ ኩነታትን ሎሚ ዘሎ ሓፈሻዊ ምዕባለን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ። ካብዚ ክንብገስ እንከለና፡ ብረታዊ ቃልስና ሎሚ ዝጅመር  ዘሎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ካብቲ ናይ 1961 ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝሕዝ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን።

ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ንምዕባለ መራኸብታት ጥራይኳ እንተወሰድና፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ መልእኽቱ ከበሳ ንክበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብማዕዶ ኣብ ከበሳ “መሸላ ዘሪአ ዕፉን ከይሸወተ፡ ኣነስ ክኸይድ እየ ናብ ወዲ ዓዋተ” ብዝብል ዝተደርፈ፡ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት እቲ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኩነታት መራኸቢ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ነይሩ ክነሱ እቶም ናይ ሽዑ ተቓለስቲ ከም ሎሚ ብፈይስቡክን ብኢመይልን ዘይኮነ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ነቲ ብስራት ናብ ገጠራትን ከተማታትን ንምብጽሑ ዝገብርዎ ጻዕሪ መስተንክራዊ ነይሩ። ሎሚ ከምቲ ናቶም ሕራነ ለቢስና በዚ ዘሎ ምዕቡል መራኸቢታት ተጠቒምና  ከነድምዖ ካብ ዝነበረና ክሳብ ክንደይ ድሒርና ከም ዘለና  ክንግንዘቦ’ሞ ብሕራነ ክንበገስ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ።

ስለዚ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ካብቲ ንመሰረተ-ሓሳብ ሰውራና፡ ጀመርቱን ቀጸልቱን ሓርበኛታት ካብ ምንእኣሶም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ድማ  ክሳብ ምኽሓዱ ዝዓርግ ዘሎ ወስታታት ህልውን መጻእን ቃልስና ጽኑዕ መሰረት ከምዘይህልዎ ዝገብር እዩ’ሞ፡ “ካብ ከምኡ ንርሓቕ”  መልእኽትና እዩ።

ኤርትራ ካብ እትግለጸሉ ሓደ  ብዙሕነት ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና እዩ። እዚ ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መርአይ እውን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ኳ ልዕሊ 80 መግለጺ ብዙሕነት  ቋንቋታትን ባህልታትን ኣለዉ። ብደረጃ ኣፍሪቃ እንተርኣናዮ እውን ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ቋንቋታት ከም ዘለዉ ይንገር። ኣብ ዓለምና ድማ ልዕሊ 7 ሺሕ ቋንቋታት ከም ዝዝረቡ ይዝንቶ። ብዘይካቶም ተፈጥራዊ መለለይ፡ ካብቶም ንብዙሕነት ኤርትራ ዝገልጹ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን ብኣብነት  ዝጥቀሱ እዮም።

ኤርትራውያን ነቶም ብዙሕነቶም ዝገልጽሎም መለለይታቶም ናይ ምኽባር፡ ምስዓብን ምዕባይን መሰል ኣለዎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ቅዋም ውሕስነት ናይ ምርካብ መሰል ዝወሃቦም እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ብዝሰፍሐ ዝእክበናን ብናይ ሓባር ቃልሲ ዘረጋገጽናዮን ሰፊሕ ኤርትራውነት ብዘደልድልን ዝምእዘዝን እምበር ብዝጻባእ ክኸውን ከምዘይግባእ ክንግንዘብ ግድነት እዩ። ምኽባርን ምዕባይን ናይዞም መግለጺ ብዙሕነታት፡ ከም ባህ ዝበለካ ብፍኑው ዝትግበር ዘይኮነ፡ ዝተሰነደ ንብዙሕነታዊ ሓድነት  ኤርትራ  ዘንጸባርቕ ቀጥዕታት ክህልውዎ ይግባእ።

ንኣብነት ብቋንቋና ክንጥቀምን ከነማዕብሎን ክንብል እንከለና፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ እንኽተሎ ቀጥዒ ክህልወና የድሊ። እዚ እንምረሓሉ ቀጥዒ ከኣ ነቶም ብደረጃ ሃገር እንሰርሓሎምን እንራኸበሎምን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት እንህቦም መንግስታዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት፡ ንኣብነት ዓረብኛን ትግርኛን ብዘይጻረር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ከምኡውን እምነታትና ነናተን መንፈሳዊ ናይ ኣተገባብራ ስርዓትን ምምሕዳርን ክህልወን ዘይስገር እዩ። እዚ ስርዓተን  ነቲ “ሃይማኖት ኣብ ጉዳይ መንግስቲ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ኣይተኣታተዉን” ዝብል ኣምር ዘይሰሓተ ይኽውን። ትካላት እምነት ምስ መንግስቲ ዝህልወን ዝምድና፡ ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየን ኣትዩ ኣንጻር ዝምረሓሉ ቀኖና ዝዘርግ ዘሎ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብዙሓት መእምናን መንገዱ ንኽሕዝ ዝቃለስሉ ዘለዉ፡ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ክኸውን ይግበኦ። ኣውራጃታትና ኣብ ትሕቲ ብቅዋም ዝውሰን ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ነናትን ልምዓት፡ ዲሞክራሲን ጸጥታን ዘረጋግጻሉ ብደረጀአን መምሓደሪ ሕጊ ክህልወን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሕገን  ናይቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቅዋም መተግበርን ደጋፍን እምበር ተጻራሪ ክኸውን ከም ዘይግበኦ መሰረታዊ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። ኣተሓሕዛና ኣብቲ ካልእ መግለጺ ብዙሕነትና እውን ብኸምዚ  ዝተሓዝ እዩ ክኽውን ዝግበኦ።

ካብዚ ወጻኢ ንኹሎም መግለጺ መንነትና ዝኾኑ ብዙሕነት  እነመሓድረሉ ኣገባብ፡  ነቲ ከም መላእ ኤርትራውያን  ብዝሰፍሐን ዝለዓለን ደረጃ እንምረሓሉ  ኤርትራዊ ቅዋም ብዝጻረር ክንሕዞ እንተፈቲና ሳዕቤኑ ኣሉታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተግባር  ዘጋጥም ኣሉታ፡ ሓድነትና ይልሕልሕ፡ ምሉእ ቆላሕታ ቃልስና ኣብ ክንዲ ናብቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ወጽዓን በደልን ህግደፍ  ዝኸውን፡ ኣብ ሕድሕድና ምጥምማት የስዕብ።  ምትእምማና ይንኪ። ነዚ  ምድኻምና ዝተዓዘበ ጸላኢና ከኣ ፍልልያትና  ብምግፋሕን  ሓድነትና  ብምድኻምን፡ ናይ ኩልና ጸላኢ ክነሱ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ድማ ወይለኻ” እናበለ ንክኸፋፍለና ዕድል ይረከብ። ድሕሪዚ ምድኻም ዝመጽእ፡  ዘይምዕዋት ከም ዝኸውን ድማ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ ሓደ መልክዕ ቃልስና፡ ንሕና ክንእከብ ጸላኢና ከኣ ንኽብትነና ዝገብሮ ጻዕሪ ዘሎ ምርብራብ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ኣብዚ መዳይዚ ንከፋፋሊ ውዲት ህግደፍ ምብዳህ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ንክንስዕሮ  መንገዲ ዝጸርግ እዩ።

ከምዚ  ዝኣመሰሉ ተመዓዳዲኻ ናይ ምርእኣይ ጸገማት፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ክረአዩን ብቃልሲ  ክሰዓሩን ዝጸንሑ እዮም። ስለዚ ሕጂውን ኣብ ጉዕዞ እንተጋጣሙ ዘገርም ኣይኮነ። ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና  ከከም ኣብመጻጽእኦም ክንስዕሮም ድልዋት ምዃን ግና መተካእታ የብሉን። ጸላእትና ክዕወቱ ዝኽእሉ ብብርተዐኦም ዘይኮነ ብሰንኪ ድኻምናን ምርሕሓቕናን ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ነዚ ጠንቂ ድኽመትና ክኸውን ዝኽእል ድሕረትን ጽበትን  ንምስዋሩ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰዓቢ ምስልምናን ክርስትናን ኮይኑ፡ ሳላ “እምነት ናይ ግሊ ሃገር ድማ ናይ ሓባር” ዝብል ኣምር  ብግቡእ ተረዲኡ ብሓባር ዝተቓለሰ ታሪኽ ከም ዝዝሰርሐ  እናፈለጡ ተስፋ ከይቆረጹ ኣብ መንጎኡ ምርሕሓቕ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ከም ዝብሉ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ።  ይኹን እምበር፡ በዚ ተግባሮም ክንግረም ዘይኮነ፡ ውዲቶም ከነምክን ኢና ሓቢርና ክንቃለሶም ዝግበና።

ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ሒዛቶ ዘላ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ቅርጽን ስፍሓትን ውጽኢት መግዛእታዊ ምምሕዳር ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ኣውራጃታትና እውን ካብዚ ዝተፈልየ ታሪኻዊ ኣመጻጸኣ  የብለንን።  ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ካብ ሓደ ብዝሒ ናብቲ ካልእ ክሰጋገራ ዝጸንሓ እየን። ኣብዚ ሎሚ ዘለወን ብዝሒ ኣብ 1909 ከም ኢጣልያውያን ኣመሓደርቲ ብዝቐየስዎ ዝሓዘኦ፡ ምዃነን፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር’ “THE DYNAMICS OF UNFINISHED AFRICAN DREAM- ERITREAN ANCENT HISTRY TO 1968” ኣብ ኣጥብል መጽሓፉ ኣስፊርዎ’ሎ።  መግለጺ ብዙሕነትና ኣብ ናይ ህዝቢ ስምዒት ዝሰረጸ እምበር፡ ብደረጃ ኣውራጃታት ተሰሊዑ ዝተዓደለ ኣይኮነን።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣውራጃትና እቲ መግለጺ ብዙሕነታና ኣብቲ ነባሪ ህዝቢ ይንጸባረቕ። ኤርትራውያን ብኣውራጃን ካልእ መርኣያ ብዙሕነትን ከይተፈላለና፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኤርትራውነት ክንስለፍ እንከለና ከም እነድምዕን እንዕወትን  ተመኩሮ ቃልስና ምስክርና እዩ። ብኣውራጃን ዝኣመሰለን ብምክፍፋል  መሳርሒ  ጸላእትና ከይንኸውን ምስዓሩ ወሳኒ ምዃኑ ድማ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊስና ዘመዝገብናዮ ዓወት መሰረታዊ ምስክር እዩ። በዚ ዘይምክፍፋል ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ዓወት ዘይድገመሉ ምኽንያት ድማ የለን። ህግደፍ ካብ እኩይ ሜላ ገዛእቲ ብዘይፍለ ህዝብን ውድባቱን ክፈላልየና ዝፍትን እውን ወሳንነት ሓድነትና ንውድቀቱ ስለ ዝርዳእ እዩ። ስለዚ ኣውራጃ ወሲኽካ ምንጽብራቕ ኩሉ ብዙሕነትና፡ ካብ ኣገዳስነት ምዕሳል ኣብ ዙርያቲ ዝሰፈሐ ኤርትራውነት  ወጻኢ ከይንቓንዮ ናይ ሓደራ መልእኽትና ነመሓላልፍ። ነቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ግጉይ ኣተሓሕዛ ንኣውራጃ ከም ፖለቲካዊ መሳርሕን መሕብኢ ጸቢብ ድልየታትን ምጥቃም  ከኣ ከይሳዕረረ “ወጊድ” ክንብሎ ይግበኣና።

Tuesday, 03 September 2024 23:07

Eritrea.Liberty Magazine Issue Nr.85

Written by

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 3 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ናብ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ናብን ካብን በረራ ከም ዝቋርጸ ምግላጹ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ካብቲ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ብ24 ሓምለ 2024 ብዘሃቦ መግለጺ መንዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረርኡ ኣብ መወዳእታ መስከረም  ንከቋርጽ ዝሃቦ ናይ ግዜ ገደብ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ 30 መስከረም 2024 በረራ ክቕጽልዩ ብዝብል፡ ትኬት ገዚኦም ንዝጸንሑ ገያሾ ብዘይተወሳኺ ክፍሊት ናብ ካልእ መንገዲ ኣየር ከም ዘሰጋግሮም ጠቒሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥም ናይ መሰጋገሪ ቪዛ (ትራንዚት ቪዛ)ን ካልእ ወጻኢታትን ግና ከምዘይምልከቶ ከም ዝሓበረ እውን ተፈሊጡ። ምርጨኦም እንተኾይኑ ግና ንዝኾነ ንትኬት ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክምልሰሎም ቅሩብ ምዃኑ እውን ኣዲስ ስታንዳርድ ኣስፊራ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምኽንያት ምቁራጹ ኣብ ወግዓዊ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ፡ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ክጸሮ ከም ዘይከኣለ ኣስፊሩ።  እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲሙ ብናይ ኤርትራ ሲቪል ኣቪየሽን ዘይምኽኑይ ዋጋ ትኬት ብምስላዕ፡ ገያሾ ብምንግልታዕን ንብረት ኣጥፊእካ ካሕሳ ዘይምኽፋልን ብዝብል ዝኸሰሶ ክቃወሞ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ናይዚ ስጉምቲ ቀንዲ መንቀሊ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናሓደረ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዝምድና ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነትዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሰለስቲአን ጐረባብቲ ሃገራት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክልል ኣየረ ምብራር ከይከልአኦ ስግኣት ኣሎ።

ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (ካብ መድያታት ኢትዮጵያ)

ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ። ኣብቲ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ትወስዶ ዘለና ስጉምቲ ዞናዊ ሓደጋ ዝፈጥርን ኢደ-ወነናውን ምዃኑ ብምጥቃስ ንክትሓስበሉ ጸዊዓ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ ባድር ኣብደላቲ ብ31 ነሃሰ 2024 ናብ ፕረሲደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 5ይ ዙር ምምላእ ማይ ሓጽቢ ኣባይ ክንቅጽል ኢና ንዝበልዎ “ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግብጺ ከም እትኹንኖ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ተግባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንስምምዕ ሱዳን፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ2021 ዝሃቦ መግለጺ ዝጻረር እዩ ኢለምዎ።

እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ኣተሓሒዙ፡ ተግባር ኢትዮጵያ ንኣድላይነት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕብባርን ግምት ከም ዘይህብ ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ መጻኢ ታሕሳስ 2024 ህንጻኡ ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ክሳብ ሎሚ 62.5 ቢልዮንን ኩቢክ ማይ ሒዙ ዘሎ ክኸውን እንከሉ፡ ነዚ ዓቐን  ክሳብ  መጻኢ ታሕሳስ ካብ 70 ክሳብ 71 ቢልዮን ኩቢክ ናይ ምብጽሑ መደብ ከም ዘሎ ጠቒሱ። እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ናይቲ ሓጽቢ ድማ 74 ቢልዮን ኩቢክ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ። ግብጽን ኢትዮጵያን ካብ ቅድም ጀሚረን ኣብ መስርሕ ምምላእ ማይን ምምሕዳር ናይቲ ሓጽብን ግደ ንክህልወን ዘኽእል ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ  ክህልው እየን ዝደልያ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ይርከባ። ኢትዮጵያ ብዛዕባ ወደብን ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕርን፡ ምስ ሶማሊላንድ ብባሕቲ ትሪ 2024 መሰማምዒ ሰነድ ምስ ፈረመት ሶማሊያ መቃድሾ፡  ልኡላውነተይ ደፊራ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓልለ ወጥሪ እየን ዘለዋ። ግብጺ ድማ ነዚ መዝሚዛ ምስ ሶማሊያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ብምፍራም፡ ድሮ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ናብ ሶማሊያ  ተእትው ከም ዘላ ይንገር ኣሎ።

ሶማሊያ ብወገና ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካል’ቲ ኣብ ሃገራ ዝዋፈር ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዓቃብ ሰላም ክኸውን ከምዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ገሊጻስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ይወጹ ኣለዉ። ስለዚ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝጸንሓ ፍልልይ ብውሕዱ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ኣዙር ውግእ ከይትኣቱ ይስጋእ ኣሎ። ዋላኳ ብዙሕ እንተዘይተዝርበሉ ጉጅለ ኢስያስ እውን ወገን ሶማልን ግብጽን እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ጉዕዞ ገደብ ናብ ኣሜሪካ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብርን ቀረጽን ምኽንያት ብምግባር ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ጽጉማት ኣካላት ቀልጢፉ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ሰባት እንተላይ ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ ዋጋ ነዳድን መጐዓዝያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቲ ነዳዲ ስለ ዝሓዝዎ፡ ኣብ  ረዲአት ናብ ጽጉማት ምብጻሕ ዕንቅፋት ይፍጠር ኣሎ ክብል ከሲሱ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋጋ ትራንስፖርትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአትን ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት ቅልጡፍ መእረምታ ንክገብር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማቴው ሚለር ኣብ  መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዳ ውግእ ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየለን ሃገራት ዓለም ኮይና ከም ዘላ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣተሓሒዙ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ክበጽሕ ዘለዎ ናይ ምትግባር ዓቕምን በቲ ኣብ  2018 ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም ክምእዘዝ ዘለዎ ቅሩብነትን ኣዛራቢ ምዃኑ ጠቒሱ።

Page 1 of 570