ብቐጻሊ “ሓቢርና ንቃለስ”፡ ኢልና እንጭረሓሉ ምኽንያት ዓሚቕ ትርጉም ኣለዎ። ማእከላይ ትሕዝቶኡ ከኣ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ፡ ተልእኮና ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምና ኣወሃሂድና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ምስላፍ እዩ። ናይ ኩልና ጭረሖ ዝኸነሉ ምኽንያት ድማ ሓቢርና ምስእንቃለስ ከም እንዕወት ስለ እንግንዘብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ምቅላስ ክንድቲ መሰረታዊ ናይ ዓወት ምስጢር ምዃኑ፡ ንምርግጋጹ ዝሓቶ ጻዕርን ዝወስዶ ግዜን ብቐሊሉ ዝዕቀን ከምዘይኮነ ካብ ተመኩሮና ንላዕሊ መስካሪ የለን።

ሓቢርካ ምቅላስ እቶም ኣብኡ ረብሓ ዘለዎም ውዳበታት ብሓንሳብ “ሆ” ኢሎም ዝጅምርዎ ኣይኮነን። ዝተወሰነ ኣካል የንቅዶ እሞ፡ እቶም ካለኦት ኣብኡ ረብሓ ዘለዎም ከኣ፡ ነቲ ተበግሶ እናመዘኑ ነቲ መስርሕ ይሳተፍዎን ዝያዳ የማዕብልዎን። እዚ መስርሕ ብመሰረቱ ከምቲ ናብ ሜዳ ቃልሲ ክንስለፍ እንከለከና ዝተራእየ ናይ ሓደ ደድሕሪ’ቲ ካልእ ምውሓዝ እዩ። እቲ ተበግሶ ዝወሰደ ኣካል ወይ ኣካላት ኣፍደገኦም ንኻለኦት ርሑውን ንናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ቅሩባትን ክኾኑ  ይግበኦም። እቲ ቅሩብነት ነቶም ተሳተፍቲ ናብ መኣዲ ሓቢርካ ምቅላስ ብኣካል ንምቕባሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ሒዘምዎ ንዝቐርቡ ኣተሓሳሳ ግቡእ ቦታ ክህብ ክዳሎ ናይ ግድን እዩ። ኣቓውማ መሪሕነት ድማ ብመንጽርቲ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ቃልሲ ንምውጋድ ህግደፍ እምበር፡  ከምቲ ሓሓሊፉ ኣብ ተመኩሮና ዘጋጠመ እሞ ዘሳቕየና፡ ምስ ሕቶ ስልጣን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ክቕየስ ኣይግባእን። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ናብ “ናተይ ሓሳብ  ጥራይ ተቐበል ወይ ብኣይ ተመራሕ” ዘየረዳድእ ሃዋህው ክፈጠር ይኽእል።

ክሳብ ሎሚ ብዘተኣማምን ኣገባብ ብሓባር ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ካብ ዝለዓሉ ነጥብታት ሓደ፡ “እምበርዶ ነቲ ዝሓለፍኩሞ መስርሕ ሓድነት ትግምግምዎ ኢኹም?” ዝብል ሕቶ እዩ። ምግምጋም ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ፡ ንኹሉ ዘዕግብ ዘይክኸውን ይኽእል። ዘይሩ ዘይሩ ግና ናይቲ ሕቶ መልሲ “እወ ንግምግም”  እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውድባት ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ሂበን ብዘካየድኦ ገምጋም ልዕሊ 20 ሕጽረታት ኣመዝጊበን ከም ዝነበራ ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ብገምጋም ንዝተለለየ ድኽመታት ብቑዕ መፍትሒ ዘይምቕራብ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ብሳላ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮኻ ምምሃር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድ ሰልፍታት ኮነ ውድባት ኤርትራ ዝነበረ ምጽልላም፡ ኣፍልጦ ዘይምውህሃብን ነቲ ተሓታትነት ንካልእ ኣላጊብካ ምህዳምን ኣዝዩ ነኪዩ፡ ዝረአ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ምክብባር ኣተሓሳስባ ንዕዘብ ኣለና።  ካብዚ ሓሊፉ መብዛሕትኡ ብዝበሃል ቀዳምነቱ ኣለልዩ፡ ናይ ሓባር ቃልስና ከትክለሎም ኣብ ዝግብኡ ውሱናት ነጥብታት ዝሰማማዕ ምዃኑ’ውን ውጽኢት  ናይ ምግምጋምና እዩ። እዚ ንኡስ ዝመስል ነጥብታትን ናይ ውሱናት ተበግሶን ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ሓቢርካ ምቅላስ መንጠሪ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ጉዕዞና ኣዝዩ ዘገምታዊ ብምዃኑ ዘዛርብ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሓባር ቃልሲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ዓሚቕ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተበጽሐ እዩ። ዘትክለሎም ነጥብታት ከኣ፡ “ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽን ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን” ዘጠቓልሉ እዮም። ፖሓኤ ኣብዞም ነጥብታት ክሰማማዕ እንከሎ፡ ብሚዛኑ ንካለኦት ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን እውን ከሰማምዑ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እምንቶ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ናይ “ሓቢርና ንቃለስ” መጸዋዕታ ከቕርቡ እንከለዉ ዘንጸባቕወን ነጥብታት እውን እዘን ፖሓኤ ኣስፊርወን ዘሎ እየን።

ተበግሶ ፖሓኤ፡ ንምኽፋት መድረኽ ሓቢርካ ምቅላስ እምበር በይኑ ዝዓሞ ኣይኮነን። ካለኦት ጻዕሪ ዘካይዱ  ዘለዉ፡ ሰልፍታት፡ ውድባትን ምጥርናፋትን ደጊፈምዎ ግደኦም ከበርክቱ ዘለዎ ተስፋ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ተስፋ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ዝዛተ ፍሉይ ኣካል ምምዛዙ ከኣ ንዝሰፍሐ ተሳትፎ ዘለዎ ቅሩብነት ዘርኢ እዩ። ኣብ መስርሕ፡ ካለኦት ብዝያዳ ዝሳተፍሉ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ኮነ ኣብቶም ናይ ስራሕ ምክፍፋል ኣካይዱ፡ ጀሚርዎም ዘሎ ክፍልታት፡ ህዝባዊ ውደባ፡ ዲፕሎማሲ፡ መድያን ማሕበራውን ገንዘባውን ዓቕሙ ከማዕብል ድልውነቱ ዕዙዝ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ከምቶም ዘይተዓወቱ ናይ ሓባር መድረኻት ከይዕንቀፍ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ?” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ተመኩሮ ዓብይ መምህር እዩ። እዘን ፖሓኤ ኣቚመን ዘለዋ ውድባት ድማ በቲ ከጋጥመና ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ዝሓለፋ እየን። ስለዚ ነቲ ካብ ተመኩሮአን ዘጥረይኦ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ መሰረት ገይረን “ነቲ ዘየዕወተና ተመኩሮ ኣይክንደግሞን ኢና” ብዝብል እምንቶ ዘንቀልኦ ምዃኑ ሓደ ካብ ውሕስነታቱ እዩ። ግብራዊ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምስ ጀመራ  ብኻለኦት ሓይልታት ኤርትራ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና፡ ንተበግሶአን  ዘነኣእስ ወይ ዝዕንቅፍ ዘይኮነ፡ እቲ ውሳኒ ውሻጣዊ መስርሑኳ እንተኾነ፡ ዘተባብዕ ድምጽታት ይቃላሕ ምህላዉ ድማ፡ ካልእ ናይ ምዕዋቱ ውሕስነት እዩ። ኣብ ሃገርና ኮነ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራ እውን ክንረሓሓቕ ዘይኮነ ዝኽፈል ከፊልና ክንቀራረብ እዩ ዝድርኽ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ መስርሕ ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ሓቶ ሓድነት ከኣ ውሕስነቱ ብግብራዊ ቃልሲ ዝውሰን እምበር፡ ኣቐዲምካ ብዝእቶ ቃል ጥራይ ዝዕቀብ ኣይኮነን። ኣብ ምዕቃብን ምትግባር ናይቲ ስምምዓት ግደን ተራን ናይቶም ሓባራዊ ጽምዶታት ንኽዓዝዝ ዝጽዕቱ  ግዱሳት ኤርትራውያን ከኣ ዓብዪ ቦታ ዝዋሃቦ እዩ።

ሓድነት ክንድቲ ወሳኒ ናይ ዓወት መሳርሒ ምዃኑ፡ ዋኒን ናይተን ብሓባር ክቃለሳ ዝወሰና ውዳበታት ጥራይ ኣይኮነን። ብዓብይኡ ጉዳይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን እዩ።  ግደ መሰረታት ናይተን ብሓባር ክቃለሳ ዝወሰና ውድባት ድማ ወሳኒ እዩ። ስለዚ ናይተን ኣብ ፖሓኤ ኣጽሊለን ዘለዋ ውድባት ኣባላት ብደረጃ ውድባቶም ኮነ ብድረጃቲ ናይ ሓባር መድረኾም ኣበርክቶኦም ዝያዳ ከዕዝዙ ይግበኦም። ብመንጽርዚ ኣብቲ ብ10  ለካቲት 2024 ዝተኻየደ ናይ ሰለስቲአን ኣባል ፖሓኤ ውድባት መሰረታት ኣኼባ ዝተንጸባረቐ ሓሳባት ሓላፍነታውን ዘተባብዕን ኮይኑ፡ ናህሩ ወሲኹ ቀጻልነቱ ክዕቀብ ዝግበኦ።

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል/AMNESTY INTERNATIONAL፡ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ህጹጽ ኣዋጅ ብምጥቃም፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ንዝቃወሙ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኝናታትን ብኣልማማ ካብ ምእሳር ንክቑጠቡ ጸዊዑ። እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ብ19 ለካቲት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣረገ ሜላን ህጹጽ ኣዋጅን ብምጥቃም፡ ናይ ሰባት መሰል  ምግሃስ ክቋረጽ ይግበኦ ኢሉ።

ጸብጻብ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩነታት ህጹጽ ኣዋጅ ንቀጻሊ 4 ኣዋርሕ ኣናዊሑ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ይካየድ ብዘሎ  ብውግእ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብወተሃደራዊ ኣገባብ ክፈትሕ ምውሳኑ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ብውግእ ክልል ትግራይ ድማ ብማሕበራዊ ቅልውላው ይሕመሳ ከምዘለዋ ናይቲ ትካል ዞባዊ ዳይረክተር ቲገረ ቻውታህ ብምጥቃስ ኣስፊሑ ዘርዚሩ።

ጸብጻብ ኣምኒስቲ፡ ናይቲ ህጹጽ ኣዋጅ ድሕረ-ባይታ ዘርዚሩ፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝትግበር ዘሎ ኣዋጅ ኣብ ናይታ ሃገር ነጋሪት ጋዜጣ ከምዘይትሓትመን፡ ህውከት  ካብ ምግዳድ ሓሊፉ መፍትሒ ከምዘየምጸአ ገሊጹ። ብጉልባብ እዚ ኣዋጅ ዝተኣስሩ፡ ዶር ደሳለ ጫነ፡ ክርስቲያን ታደለን ዮሃንስ ባያሎውን ዝርከብዎም ፖለቲከኛታትን ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ጉዳዮም ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ብዘይሻራዊ ዳንነት ከምዘይተራእየ ድማ ኣስፊሩ።

ኣባላት 2 ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ጀርመን ብዕለት 18.02.2024 ሓባራዊ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ካብተን ጨናፍር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ኣኼባ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ንሳልሳይ ግዝይኡ ይካየድ ምህላዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣኼባ ኣባላት ክልቲኡ ጨናፍር፣

1. ዳህሳስ ኣተሃላልዋን ንጥፈታትን ጨናፍር፤

2. ኣገዳስነት ሓባራዊ ዕዮን፤

3. ንጥፈታት ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብፍላይ ንብርጌድ ንሓመዱን

4. ሓፈሻዊ ህልዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝብሉ ዛዕባታት ተዘራሪቦም።

እቲ ኣኼባ፡ ብመራሕቲ ክልቲኡ ጨናፍር ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን እዩ ተኸፊቱ። ዝተጠቕሱ  ዛዕባታት  መዛተዪ ነጥብታት ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተዛሪቡሎም። ኣብቲ ቀዳማይ ዛዕባ፡ ኣኼበኛታት ኣተሃላልዋን ንጥፈታትን ክልቲኡ ጨናፍር ብምሕባር፣ ነቲ ዘሎ ኣውንታዊ ንጥፈታትን ዝቕጽሉዎ ዘለዉ ኣባላትን ብምምጓስ፡  ንክህሉ ዝኽእል ሕጽረታት ንምምላእን መበራበሪ ምልዕዓላት ኣብ ምክያድ ተቢዑ ካብ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየለ ኣስሚሩሉ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ከይተሳዕረ ራህዋን ሰላምን ክረጋገጽ ከምዘይካኣል’ውን ርእዩ።

ብድሕሪኡ ተሳተፍቲ ነቲ ብ3 ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ንምቛም ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓት ብስፍሕ ዝበለ ተዘራሪቡሉ። ነዚ ዝምልከት ነቲ ብዕለት 10 ለካቲት 2024 ኣባላት መሪሕነት መሰጋገሪ ኣካል ንኣባላተን ዘቕረቡዎ ሰፊሕ ሰሚናር ኣሞጒሱ። ንካልኦት ኣብቲ መስርሕ ዘይተሳተፋ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ክሓብርዎ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣኼበኛታት ንኢዶም። ኣብዚ ዘሎናዮ ኩነታት ተቓውሞ፡ እቲ ሓደን መተካእታ ዘየብሉን ምርጫ፡ ብናይ ሓባር ጽላል ተጠርኒፍካ ምቅላስ ጥራይ ምዃኑ ብምእማን ድማ፡ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ከይተሓለለ ክቕጽሎ  ኣኼበኛ ለበዋኡን ምሕጽንታኡን ኣስፊሩ።

ኣኼበኛ ኣብቲ 3ይ መዛረቢ ዛዕባ ብምእታው፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ይኹን ኣብ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ኣብ ውዕዉዕ ደረጃ በጺሑ ብዘሎ  ብብርጌድ ንሓመዱ ዝካየድ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ንመላእ ተቓላሳይ ህዝብና ዘተባብዕ፣ ንምልካዊ ስርዓትን ሰዓብቱን ድማ ዘርዓደ ምዃኑ መዚኑ። ሰዲህኤ ብደረጃ ጉባአኡ ዝወሰዶ መርገጽ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ኩሎም ኣባላቱ ዘለዎም ውልቃዊ ተሞኩሮ ተጠቒሞም ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ምእላይ ተራኦም ከበርክቱ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ክተሓባበሩ ምጽንሖም ኣኼበኛ ንኢዱ፡ ገና ከይተሓለሉ ክቕጽሉዎ ድማ ተላብዩ። ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት የጋጥሙ ንዘለዉ ሃሰያታትን ሕድሕድ ምድማይን ተሓታቲ እቲ ስርዓት ምዃኑ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መድረኻት ኣብ ምግላጽ፣ ኣድላዪ ስጉምትታት ክወስዱ ከምዝግባእን ምትሕብባር መላእ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ከምዘድሊ ድማ ገሊጹ። መንእሰያትና’ውን፡ ንዝረኸብዎ ዲሞክራስያዊ መሰለ ተጠቒሞም፣ ንሕግን ስርዓትን ዝነብሩለን ሃገራት ኣኽቢሮም፣ መጻኢ ኲነታቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ክኽተሉ ከምዝግባእ ኣኼባ ጨናፍር ርእዩ።    

ኣብ መወዳእታ ድማ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ሓጺርን ሓፈሻውን ሓበሬታ ምስ ቀረበ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸን መኣዝኑ ዘጥፍአን ሕድሕድ ደም ዘፍስስን ኮይኑ ከም ዘሎን ተገሊጹ። እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ፡ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ስልጣኖም ንምንዋሕ ክብሉ፡  ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ጐጎቲቶም ኣናምጽኡ ናይ ውክልና ውግኣት እናወልዑ እቲ ኩነታት ኣብ ዘይዛሪ ደም ምፍሳስ የእትውዎ ምህላዎን እቲ ፍታሕ ድማ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዚ ተረዲኡ ኣንጻሩ ደው ክብል ምስዝኽእሉን ጥራይ ምዃኑ ብናይ ሓባር ተገንዝቦን ጽቡቕ ምርድዳእን ኣኼባ ዛዚሙ።  

     

Monday, 19 February 2024 00:12

Dimtsi Harnnet Sweden 17.02.2024

Written by

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ትምህርትን ክእለትን ንኣፍሪቃ፡”  ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ መበል 37 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብ17 ለካቲት 2024 ነቲ ሕብረት ንሓደ ዓመት ብኣቦመንበርነት ንክመርሕ ንፕረሲደትን ማውሪታንያ፡ መሓመድ ኣወልድ ኤልጋዞኒ መሪጹ። ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ሕብረት  ክመርሕ ዝጸንሐ መራሒ ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሶማኒ ድማ ኣብቲ ስነስርዓት መኽፈቲ ሓላፍነቱ ኣረኪቡ።

ኣብቲ ከባቢ 34 መራሕቲ ሃገራትን ርእሰ-ብሄራትን ከምኡ እውን ወከልቲ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ዝተሳተፍዎ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሕብረት ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን ፕረሲደንታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልጥኤምን ፕረሲደንት ብራዚልን ዝርከብዎም መደረታት ኣስሚዖም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 ብዕልዋ መንግታትን ሕድሕድ ውግኣትን ክትሕመስ ከም ዝጸንሐት ብዝርዝር ሓቢሩ።

ኣብዚ ኣኸባ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዝተሓተ ጽፍሕታት ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብመንጽር ዞባና መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ከንያን ክሳተፉ እንከለዉ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ሱዳን ግብጽን ዩጋንዳን ግና ኣይተሳተፉን።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎን ናብ ኣኼባ መራሕቲ ዝቐርብ ኣጀንዳን ውሳነ ሓሳብን ዘዳሉ ኣካል ድማ ኣቐዲሙ ካብ 14 ክሳብ 15 ለካቲት 2024 ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ 18 ለካቲት እውን ክቕጽል እዩ

እዚ ከምዚሉ እናሃለወ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረን ኣባልነት ከም ዝሰሓባን መስሓቢአን ምኽንያት ከምዘይሓበራን ተፈሊጡ።

ኣቦመንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ውጽኢት መግዛእትን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉን ምዃኑ ብዝርዝር ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራ ናብዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ልኡላዊ ደረጃ ንክትበጽሕ ዝተኸፍለ መስዋእን ዝተኻየደ ቃልስን ክገልጽ እንከሎ፡ “ስእሊ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ኣባይቲ ተሰቒሉ ይርከብ እዩ” ብዝብል ገሊጽዎ።

ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ብገለ ወገናት ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ ጌርካ ዝግለጽ፡ ከብርህ እንከሎ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብቃልሲ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ፡ ናብ ፍቕሪ ሰላምን ሓቢርካ ምንባር ዘተኩር እምበር ጽልኢ ዝዕድም ከምዘይኮነ ብዝርዝር ገሊጽዎ። ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ነንመሰሉ ሓቢሩ ዝተቓለሰ ብዓይኒ ጽልኢ ዘይርእአ፡ ሓቢሩ ተቓሊሱ ሓቢሩ ዝተዓወተ ምዃኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዘ ከኣ ህግደፍ ንከምዚ ዓይነት መሰረታዊ ዘይምልስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምርሕሓቕ ህዝብታት ዝሰርሕ ምዃኑ ከም ዘተሓሳስብ ጠቒሱ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ብክቡር መስዋእትን ህዝበ ውሳነን ዝደልደለ ብምዃኑ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ኣገንዚቡ።

ህላወ ኤርትራ ናይ ትግራይ ይኹን ናይ ካልእ ኣካል ረብብሓን ህልውናን ዝጻረር ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ ከኣ ንህልውና ኤርትራ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ብዛዕብባ ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋ ኣረዲኡ። እዚ መስርሕ ሃገራውነት  ኣባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ኩለን ብቃልሲ ህዝበን ህልውናአን ዘረጋገጻ ሃገራት ዝተራእየ  ምዃኑ ኣገንዚኡ።

እዚ ከምዚሉ እከሎ፡ ንህልዊ ኩነታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብዝምልከት ተሓቲቱ ከርህእከሎ፡  ሰለስቲአን ኣካላት፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ጉዕዘአን ቀጻሊ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተረፍዎ ጉዳያት ወጊኑ ከርክብን፡ ዝሰፍሐ መድረኽ ንምፍጣር ምስቶም ካለኦት ኣካላት ዝብሮ ርክባት ክዕወት ዘለዎ ተስፋ ጠቒሱ።

Thursday, 15 February 2024 21:08

Dimtsi Harnnet Kassel 15.02.2024

Written by
Page 8 of 553