ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፡ ብ23 ሕዳር 2025 ኣብ ዝሓለፈ 12 ሺሕ ዓመታት ዘይተረእየ ዝተባህለ እሳተ-ጐመራ ከም ዘጋጠመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። እቲ “ሃይሊ ጉቢ” ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ካብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፉ ናብ የመንን ዑማንን ዝውርወር ከቢድ ሓሙሑሽቲ ከም ዘኸተለ ተሓቢሩ። ናይቲ ሓሙኹሽቲ ብናን ጸሊም ሕብሪ ክሳብ ሰሜናዊ ቀላይ ዓረቢያ ከም ዝተራእየ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ ጥቓ ኣፍዴራ ዝርከባ ዓድታት፡ እቲ ነትጒ እሳተ-ጐመራ ብዘኸተሎ ሓያል ደሮና ተሸፊነን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ናይቲ ነትጒ ድምጺ ክሳብ ከባቢ ኣርታዕለን ኣፍዴራን ከም ዝተሰምዐ እውን ተገሊጽ። እቲ ነትጒ ካብ ኣርታዕለ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዝሸፈነ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ።
ከም ገምጋም ቪምለንዱ ጅሃ ዝተባህለ ፈላጥ ስነ-ከባቢያዊ ጉዳያት፡ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ እሳተ-ጐመራ ዝበነነ ሓሙኽሽቲ ኣብ ልዕሊ ከም ጉጅራት፡ ራጃስዛንን ደልሂን ዝኣመሰሉ ከባብታት ህንዲ ዘንብዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝንሳፈፍ ደሮና ከም ሳልፈር ኦክሳይድን መስትያትን ዝኣመሰሉ ንጥረ ነገራት ኣብ ደበና ብብዝሒ ከም ዝተራእዩ እቲ ናይ ከባቢያዊ ኩነታት ክኢላ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዘኸተሎ ጉድኣት’ኳ እንተዘየለ ንቀጻሊ ግና ምክትታል ከም ዘድልዮ እቲ ክኢላ ምኽሩ ለጊሱ።
እቲ ብናን ኣብ ህንዲ ናይ ነፈርቲ በረራ ዕንቅፋት’ኳ ፈጢሩ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ካብ ሰሜን ህንዲ ንወገን ቻይናን ፓስፊክን ተጓዒዙ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ። እዚ ካብ ዶብ ኤርትራ ብዙሕ ዘይርሕቕ ቦታታት ክልል ዓፋር ተደጋጋሚ ምንቅጥቃት መሬት እውን ካብ ዘይፍለዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።
ባህግና Eri Bahgna Media 23.11. 2025 ውሓጥዮ ተበልኩዋስ ትጎስሞ
Written by Eri-BahgnaMedia
ንሃገር፡ ሃገር ካብ ዘብሉ መሰረታዊ ረቛሕታት፡ “1ይ ክልሉን ጐረባብቱን ዝተነጸረ ጀኦግራፊያዊ ከባቢ፡ 2ይ ናይ ሓባር ባህርን ስነልቦናዊ ስምዒትን ዝውንን ህዝቢ፡ 2ይ ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ንገዛእ ርእስኻ እተመሓድረሉ ልኡላዊ ተፈላጥነት፡ 4ይ ዕላዊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከመስርት ዝኽእል ብቕዓት” ዝብሉ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ መለለይታት እዮም። ኤርትራ ከኣ ነዞም ረቑሕታትን ካለኦት ንዓቶም ዘራጐዱ መዕቀንታትን እተማልእ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መበል 182 ኮይና ዝተመዝገበት ሃገር እያ።
ብዛዕባ ምግላጽ ፍቕሪ ሃገርን ሃገርነትን ክለዓል እንከሎ፡ ነዞም ረቛሕታት ብምልኣት ብዝሓቖፈ እምበር፡ ንሓደ ካብዞም መለክዕታት ሃገርነት ቆንጢርካ ብምውሳድ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ቲ ብኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝናፈስ ዘሎ ዓመጸኛ ህቦቡላ፡ ተደጋጊሞም ክለዓሉ እንሰምዖምን እነንብቦምን “ህዝብን ልኡላውነትን” ዝብሉ ኣገደስቲ ኣምራት እዮም። “ህዝቢ” ሃገር ካብ ዘቑሙ ወሰንቲ ረቛሕታት ሓደ ክኸውን እንከሎ፡ ልኡላውነት ከኣ ውሁድ ውጽኢት ናይቶም መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ስለዚ ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ፈላሊኻ፡ “እቲ ይጽናሕ እቲ ይቐጽል” ዝበሃሉ ዘይኮኑ፡ ሓደ ብዘይካ’ቲ ካልእ ትርጉምን ህልውናን ዘይብሎም እዮም። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ፡ “ናይ ሓደ ነገር ክልተ ገጻት እዮም” እንብሎም ።
ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ውዑይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኤርትራ፡ ሓሓሊፉ “ንህዝቢ እምበር፡ ሃገርን ልኡላውነትን ብዝብል ምእንቲ ሩባን ኩርባን ኣይንቃለስን ኢና” ዝብሉ ድምጽታት ይስምዑ እዮም። እቲ ዘገርም “ንልኡላውነተይ’ውን ክቃለስ እየ” ምባል ዘጽርፍን ዘነኣእስን ዝኾነሉ ግርምቢጥ ኮይኑ’ውን ይስማዕ እዩ። እንተኾነ ነቶም ከምኡ ዝብሉ፡ “ልኡላዊ መሬታ፡ ባሕራን ኣየራን ዘውሓሰት ሃገር እንተዘይሃልይዎ ደኣ፡ እቲ ይቃለሰልካ ኣለኹ ዝብሃል ዘሎ ህዝቢ፡ ነቲ ፍረ ቃልሲ ደኣ ኣበይ ኮይኑ እዩ ከስተማቕሮ?” ናይ ዝብል ሕቶ ዕቱብ መልሲ የብሎምን።
በቲ ካልእ ወገን ንወሳኒ ግደን መሰልን ህዝቢ ክብደት ብዘይምሃብ፡ ኣብ ጥርሕ ጎልጎል ብጥሪኡ “ኣነ ንሃገረይ ኣለኹላ ባዕለይ” ክብል ዝስማዕ ካልእ ጫፍ ኣሎ። ነዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምዕሩይ ዝንባለታት ዘለዎም ወገናት “ጸጋታታ ዘስተማቕርን ብኽብራ ተሓቢኑ ዝሕልዋን ዝሃንጻን ህዝቢ ዘየብላ ሃገርከ ደኣ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽእል?” ክበሃሉ እንከለዉ እውን መልሶም ምሉእን ዝጭበጥን ከምዘይከውን ርዱእ እዩ።
እምበኣር ከምቲ “ለኣሎ ላሎ፡ ላኣሎ፡ ላሎ፡ ውደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ” ብእትብል ፈላሚት ዜማኡ ዝፍለጥ፡ ግኑን ስነ-ጥበባዊ ነፍሰሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ “ሃገራይ ዝበለ ተኸቢሩ ይነብር፡ ሓወልቲ ገዲፉ ኣብ ገነት ይሰፍር…..”፡ ዝበሎ ኣዝዩ ዓሚቕ ዝትርጉሙ መልእኽቲ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። “ውይዛ ተፈታዊት ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ’የ ንኽትወጽእ ሓራ” እትብል ዜማ ስዉእ ሓርበኛ ኢዮብ ሃይለ’ውን፡ ካብዚ ዝተፈየ ትርጉም የብላን።
ኤርትራውያን ንሃገሮም ብመዕቀኒ እታ ልዕሊ ኩሉ እትፍቶን እትኽበርን ኣደ መሲሎም፡ ተቓሊሶም ዝተሰዉኡላ ከኣ ከምቲ “ህዝቢ እምበር ልኡላውነት ሃገር ኣይምልከተንን” ክበሃል ንሰምዖ ዘለና፡ ካብቲ ረቛሒታት ንሓደ ቆንጢርካ ብምውሳድ ስለ ዝኾነ፡ ብኣንጻሩ እቲ ክኽበር ዝግበኦ መሬታን ህዝባን ማለት ምሉእ ልኡላዊ ክብራ ክኸውን ይግበኦ።
“ንልኡላውነት ሃገር ንሕለቕ” ክበሃል እንከሎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ምሕላቕን ምብጃውን’ውን ኣብኡ ዝሕቆፍ እምበር ዝተዘንገዐ ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽና ሓይሊ መግዛእቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝበሎ ኣብ ጸሊም መዝገብ ታሪኽ ዝተምዝገበ’ኮ፡ ሃገርን ህዝባን በታቲኖም ከባድምዋ ብምሕላኖም እዩ። ዓድታት ኤርትራ ዘንድዱ ዝነበሩ እውን ዕላማኡ ህዝቢ መረበት ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ እዩ ነይሩ።
“ሎሚ ኤርትራ’ኮ ልኡላውነታ ብሰንኪ ኢሳያስ ተደፊሩ እዩ፡ ልኡላዊት ሃገር ክትባሃል ኣይትኽእልን እያ፡ ኣብዚ ሓደ ብምውዳቓ ዝሕተት ከኣ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።” ዝብል ድምጺ በብኹርናዑ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክገማዳሕ ይስማዕ እዩ። እዚ ካብቲ ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ክምድር እንከሎ፡ ንሓንሳብ “ምስ ኢትዮጵያ ተደሚርና ኢና” ንሓንሳብ ድማ ካብቲ ኣብ ልኡላውነት ካለኦት ሃገራት ኢዱ እንዳእተወ ዝዘርጎ ዘሎ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ንክድፈር ኣፍደገ ዝኸፍት ዘሎ ባዕሉ እዩ፡ በዚ ድማ ባዕሉ እዩ ዝሕተተሉ” ካብ ዝብል ዝብገስ ቁጠዐ ምዃኑ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
እቲ መፍትሒ ግና “ኢሳያስ’ዩ ዝሕርተሉ ስለዝኾነ፡ ልኡላውነት ባዕሉ ይፈልጥ” ኢልካ ነቲ ንሱ ዝተኸተሎ ግጉይ መንገዲ ብዝገደደ መልክዑ ምድጋሙ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፡ በቲ ሓደ ወገን ንዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ኢሳያስ እናወገዝካን እናቃላዕካን ብምቅላሱ፡ ጐኒንጐኑ ድማ ነቶም ኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ሕነ ክፈድዩ ክብሉ፡ ኣንጻር ልኡናውነት ኤርትራን ህዝባን ዝመጣጠሩ ዘለዉ ኣካላት እቲ ግጉይ መንገዶም ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ህዝብና ዝብልዎ ኢትዮጵያዊ እውን ከምዘየርብሕ ደጋጊምካ ብምንጋሮምን ተቓውሞኻ ምቅላሕን ምቕጻልዩን እዩ።
“ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ ባዕሉ ይፈልጥ” ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላ፡ ካልእ ብገለ ኤርትራውያን ዝቃላሕ ንውሕ ዝበለ ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንናይ ጽባሕ ውሑስ መጻኢ ዘየማዕዱ ርኢቶ እዩ። ምስዚ ብዝመሳሰል ምስቲ መሬት ኤርትራ ብዓመጽ ከም ዝወስድ ደጋጊሙ ዝእውጅ ዘሎ ኣካል ምምሕዛው፡ ኢድ ኣእታውነት ምትብባዕ ስለ ዝኸውን ዘይተባባዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓንተቦ “ኣይፋል” ክበሃል ዘለዎ እዩ። እቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ተሓሪምዎ ሃንቀው ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ዝተቆራረመት ሃገርን ኣብ ትሕቲ ብዛዕባኡ ዘይግደስ ሓይልን ከነርህዎ እዩ” ዝብል ተረድኦ እንተልዩ ከኣ ካልእ ግጉይን ዘይግብራውን ተረደኦ እዩ።
ስለዚ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ “ሃገር ንዘየብሉ ህዝቢ” ወይ “ህዝቢ ንዘየብላ ሃገር” ንምፍጣር ካብ ምሕሳብ፡ ከምቲ “ህዝብን ሃገርን ናይ ሓደ ነገር ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት እዮም” ዝበልናዮ ቃልስና ንኹለ-መዳያዊ ልኡላውነት ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ እቲ መዋጸኦ።
ዶባዊት ከተማ ሞያለ
ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምጥቃስ ዳውን ኣፍሪካ (DAWN AFRICA) ብዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተዘግሐ ዜና፡ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ብወገን ሞያለ ናብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ከባብያዊ ኣመሓደርቲ ቀቲሎም ዜጋታት ከም ዝኣሰሩ ተሓቢሩ። ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓበሬታ እቲ ጸገም ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዓሚቕ ውልቃውን ፖለቲካውን ምትፍናን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ’ዩ እውን ተባሂሉ። ኣብቲ ህውከት ዝተሳተፉ ኬንያውያን ነበርቲ ቶኣ ጃንጊሊ ብዝተባህለ ከባቢ እናተሓገዙ ምዃኖም ከኣ ተጠቒሱ።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ22 ሕዳር 2025 ዶብ ጥሒሱ ናብ ኬንያ ኣስታት 2 ኪሎሜተር ብምእታው ንሓጺር ግዜ ምንቅስቓስ መደብር ፖሊስ ከተማ ሞያለ ኬንያ ጠጠው ኣቢሎም ከም ዝነበሩ ተገሊጹ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ተግባር ብወገን ኬንያ ግብረ መልሲ ንክወሃብ ከም ዘገደደ እውን ብኬንያውያን ተጠቒሱ።
ናይ ሓለዋ ዶብ ኣሃዱታት ኣብቲ ጉዳይ ከም ዝተሳተፋን ንክልተ ሰዓታት ዝኣክል ዝጸንሐ ሓያል ተኹሲ ከም ዝተኻየደን ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ኩነታት ስሩዕ ሰራዊት ኬንያ እውን ንክሳተፎ ከም ዘገደደን ናይታ ሃገር ሓይልታት ጸጥታ ብሓባር ነቲ ናብ ሃገሮም ኣትዩ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ደፊኦም ከውጽእዎ ከም ዝኸኣሉን እቲ ዜና ሓቢሩ።በቲ ውግእ ጉዳኣት ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ ብክልቲኡ ወገን ኣይተዋህበን።
ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ስርሒት ዝከታተል ዝነበረ ኣብዱብ ዋሪዮ ዝተባህለ ኣዛዚ መሊሽእ ተቐቲሉ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ ዝበለ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት ኣብዚ ደረጃ በጺሑ ክነከሱ ብክልቲኡ መንግስታት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያን ነበርቲ እቲ ከባብን ከኣ ኣብ ከተማ ሞያለ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰራዊት ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ይርከብ ስለ ዘሎ ሓያል ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። ከተማ ሞያለ ካብ ኣዲስ ኣበባ 762 ካብ ናይሮቢ ድማ 770.4 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዶባዊት ከተማ እያ።
ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል
ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል (human rights watch)፡ ኣብዚ ቀረባ ብመንገዲ ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ገበናት ውግእን ካልእ ጥሕሰታትን ጠጠው ዝበለ ኣዘራራቢ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይቋረጽ ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኩሎም ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ንክሰርሑ ጸዊዑ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ገበነኛ ጉጅለ” ክብል ገሊጹ፡ ክውገድ ዘለዎ ኣካል እዩ ምስ በለ፡ ብወገን ትግራይኳ ዓለም ለኻዊ ናይ ዘተ መጸዋዕታ እንተቕረበ እቲ ወጥሪ ግና ኣይሃደአን ኢሉ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ እውን ይብርኽ ኣሎ ኢሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር መንግቱ ይተሓባብሩ’ለዉ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ናይቲ ወጥሪ መርኣያ ምዃኑ ከኣ እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ኩሉ ምክሳስ ኣብቲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ወግእ ዘይሓወየ ከባቢ ሓዲሽ ጐንጺ ከይፍጠር ዘስግእ እዩ ኢሉ።
እቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ዓፋርን ካልእ ከባብታትን ዝለሓመ ዝሓለፈ ውግእ፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ምጥፋእን ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕታ፡ ዝለዓለ ዕንወት ትሕተ-ቅርጻ ከም ዘኸተል እውን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ናይ ምድኻም ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ። እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ብግብሪ ንሰብኣዊ መሰል ግቡእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃበ ድማ ኣብቲ መጠቀቕታኡ ኣስፊሩ።
ኢርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ በደል ከምዘይተገደሱ ጠቒሱ ከኣ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብ2023 ኣብ ኢትዮጵያ ገበናት ዝምርምር ቀዋሚ ኮሚተ ኣብ ምቛም ከምዘይተዓወተ ኣቃሊዑ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ሎሚ ግዜኡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዲፕሎማስን ወጥሪ ጠጠው ናይ ምባልን እዩ ክኸውን ዝገባኦ ኢሉ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ወገናት ክንቀሳቐስሉ ድማ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኮይኖም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ተጋሩ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበታብ ጋዜጣ ሪፖርተር ክፍሊ እንግሊዘኛ ሓደ ጽሑፍ ኣውጺኡ’ሎ። ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሳኢት ንምዃን፡ ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብደሆታታ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤታ ከተተኩርን ፍትሓዊ ምምሕዳር ከተውሕስ ይግበኣ ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ጉዳይ ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰላም ምፍታሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምኹናን ግና የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብቱ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ጨንፈር ቁ. 2 ሰዲህኤ ሃገረ ሽወደን ብ21 ሕዳር 2025 ካብ 8ተ ከተማታት ሽወደንን ደንማርክን ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ሰፊሕን ዕዉትን ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ ኣቦ። ኣወንበር ጨንፈር ብሰላምታ ከፊቱ ኣባላት ጨንፈር ዘሎዎም ንጡፍን ዉፉይን ተሳታፍነት ኣብ ዕቤትን ጽንዓትን ስሪዒታዊ መትከላዊ ንቅሓትን ምጣኔ ሃብታዊ ህርኩት ወፈያ ዘይሕለሉ ምዃኖም ብዝርዝር ኣቅሪቡ።
ኣተሓሒዙ ድማ ምሳኹምን ካባኹምን ምዃነይ ይሕበን ኢሉ። ኣብ ቀጻልነትን ምውህሃድ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዘሎዎም ቅኑዕ ተረዳኦ፡ ሓድነታዊ መንፈስን ዕግበትን ዘርኣይዎ ትብንዓን ተጻዋርነትን ኒኢዱ፡ ፍረ ጻማ ንዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ጨንፈር ቁ. 2 ሃገረ ሽወደን ኣባል ፈጻሚ ሽማገለን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝሓቆፈ ብምዃኑ፡ ኩሎም በብተራ ዘሎዎም ዓሚቅ ኣፍልጦን ተመክሮን ተሳታፍነትን ምስ ኣብነታቱ እናዘርዘሩ ሓቀኛ ናይቲ ሎሚ ዘሎ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ናብ መንእሰይ ዘተኮረ ምቅራቦም ብሉጽን ሃብታምን ኣኼባ ነይሩ። እዚ ናይ ክልተ ሰዓታትን ፈረቃን ዝወሰደ ኣኼባ ብኣገስትን ሃነጽትን ንዕቤት ምጣኔ ሃብቲ ሰልፊ ዝሕግዙ ፈጠራዊ መደባት ክገብሩ ሓያሎ ለወባታት ብምቅራብ ከምቲ ልሙድ ስምምዖም ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ክራኸቡ ኣኼባኦም ዛዚሞም።
المحافظة على السلم الاهلي في ظل سياسات النظام المستبد
Written by Eritrea al-touq“ اولا اعتقلوا الشيوعيين, ولم احتج لأنني لم أكن شيوعبا.
ثم اعتقلوا النقابيين, ولم احتج لأنني لم أكن نقابيا.
ثم اعتقلوا اليهود , و لم احتج لأنني لم أكن يهوديا.
ثم جاءوا من أجل اغتقالي لم يبق أجد ليحتج.”
القيس مارتن نيمولر
تعبر المقولة عن خطورة الصمت أمام الظلم , وان التسامح مع اضطهاد فئة ما يمهد الطريق لاضطهاد الجميع فب النهتية.
الى الرسالة:
يشكل السلم الاهلي الركيزة الاساسية لبقاء الدول واستقرارها , اذ لايمكن مجتمع ان يحقق التنمية او العدالة من دون أرضية من التعايش السلمي بين مكوناته المختلفة. والسلم الاهلي ليس مجرد غياب للحرب أو العنف , بل هو منظومة قيم وسلوكيات قائمة على الاحترام المتبادل , المواطنة المتساوية , والعدالة الاجتماعية .
وفي الحالة الارتريا , تبرز أهمية هذا المفهوم بشكل خاص نظرا لما تتميز به البلاد من تنوع ديني وثقافي ولغوي الذي كان تاريخيا مصدر غنى وقوة , لكنه اصبح في ظل النظام الاستبداي القائم اداة لتفكيك المجتمع واضعافه الذي يجب الشعب الارتري ان يحسب له الف حساب.
منذ اعلان الاستقلال عام 1993 , كان الامل الارتري معقودا على بناء دولة الموطنة والمساواة التي تحترم التنوع وتستند الى شرعية الحرية. غير ان النظام الحاكم بقيادة اسياس افورقي سرعان ما انقلب على هذا الحلم الوطني, فأقام نظاما شموليا احتكر السلطة والثروة, واخضع المجتمع برمته لرقابة امنية صارمة وحول الوطن الى سجن كبير واعتمد سياسة القمع الممنهج ضد المعارضين والناشطين , وفرض خدمة وطنية دائمة ترقى الى العمل القسري. هذه البيئة المغلقة جعلت من الخوف والشك لغة يومية في حياة المواطنين وأضعفت الثقة بين ابناء المجتمع الواحد.
لقد ادرك النظام منذ وقت مبكر ان السيطرة السياسية تمر عبر تفكيك الروابط الافقية التي تجمع المواطنين فعمل على استغلال الانتماءات المختلفة وتوظيفها أداة لتشويه صورة الخصوم وتبرير القمع وستخدما خطاب يقوم على ترسيخ فكرة المهددات الوجودية بحيث يصور أي معارض عميل لطرف خارجي ومن خلال سياسة التمييز والاقصاء استطاع من احداث شرخ عميق في النسيج الاجتماعي الذي كان يميز المجتمع الارتري قبل الاستقلال.
في مواجهة هذه السياسات تبرز الحاجة الى واعي وطني والعمل بمسؤلية يعيد تعريف تأكيد الانتماء على اساس المواطنة لا القبيلة او المعتقد او المناطفية . فالمجتمع الارتري رغم معاناتة الطويلة مازال يمتلك من عناصر القوة ما يؤهله لاعادة بناء ذاته . الخطوة الاولى لذلك دون ادنا شك تتمثل في التنبه الى فخاخ النظام الذي يسعى لتأبيد سلطته عبر تغذية الانقسامات , واقناع كل فئة بأنها مهددة من الاحر . ان ادراك هذه الحقيقة شرط اساسي للمقاومة وجميع المكونات الارترية , لان مواجة الاستبداد والانتصار علية لا تتم دون التضامن الشعبي ونبذ التفرقة.
كما تقع مسؤلية كبيرة على النخب والمثقفين والاعلامين في الخارج لنشر ثقافة السلام والتسامح والتعايش وتفنيد خطاب النظام القاءم على التخويف والفرقة , يمكن للعلام المستقل والجاليات الارترية في المهجر ان تلعب دورا محوريا في بناء الجسور بين المكونات المختلفة واعادة الثقة التي دمرها النظام وعليها ان تضطلع بهذا الدور وتتجنب اي ممارسة توقع المجتمع في الفخ المنصوب لها من النظام , وكل مبادرة تدعو الى الحوار الوطني والمصالحة المجتميعية هي دون ادنى شك خطوة في طريق استعادة الوطن من براثن الاستبداد.
وبذلك يكون الحفاظ على السلم الاهلي ليس شعارا سياسا بل وجبا وطنيا واخلاقيا تبدأ ملامحه حين ندرك كارترين ان قوتنا في وحدتنا وليس في انقسامنا وأن الاستبداد الجاسم على صدورنا لايهزم بالسلاح فقط بل بالوعي , والعمل العقلاني, والتضامن من اجل الهدف المشترك, والاصرار على مستقبل يليق بتضحيات الأجيال التي ناضلت من أجل الاستقلال.
إرتريا- التوق للإنتاج الإعلامي 20.11.2025
Written by Eritrea- Al Touq
ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድናልድ ትራምፕ፡ “ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ብህጹጽ ምዕጋት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ህውከት፡ “ካብ ዓለምና ዝዓብየ ሰብኣዊ ቅልውላው” ክብል ገሊጽዎ። እቲ ፕረሲደንት ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ከም ዝጠቐሶ፡ ልኡል ሳዑዲ ዓረቢያ ወሲኽካ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዕራብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ምፍታሕ ጽልዋኡ ንከሕድር ከም ዝጸውዕዎ ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ነቲ ዝቐረበሉ መጸዋዕታ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጥሕሰታትን ምምዝባላትን ንምህዳእ ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ፡ ብፍሉይ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኤመረትን ግብጽን ብምጥቃስ፡ ከምኡ እውን ምስ ካለኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝተሓባብረ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሱዳን “በዓልቲ ዓብይ ስልጣነን ባህልን ክነሳ ናብ ሕማቕ ኩነታት ዝኣተወት” ክብል ገሊጽዋ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ናይቲ ዞባ ጻዕሪ’ውን ተወሲኽዎ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ኣሚቱ። ኣብቲ መግለጺኡ ብዛዕባ ዕዙዝን ህጹጽን ኣድላይነት ሕክምና፡ መግብን ካለኦት መሰረታዊ ነገራትን ንሱዳን’ውን ጠቒሱ።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብ18 ሕዳር 2025 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ትራንፕን ሱዑዳዊ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዝተገብረ ዘተ ጉዳይ ሱዳን እቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ዛዕባ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ውግእ ሱዳን ብ2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣመሪካ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘትሉ ምዃኑ ዘርኢ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ኮሚተ ልኡላውነት ሱዳን ነቲ ተገዳስነት ንግስነት ሳዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ከም ዝቕበሎ ገሊጹሎ። እቲ መግለጺ ትራምፕ እውን ህዝቢ ሱዳን ዝጽበዮ ሰላም ንምምጻእ ናይቲ መንግስቲ ተሳትፎ ወሳኒ እዩ ኢሉ። እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ኤመራት ኣብ ውግእ ሰዳን ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ትሰርሕ ስለ ዘላ ብህላወኣ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ሕጉስ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱሎ።
ኣመሪካ በዚ ኣትያቶ ዘላ ቃል ጉዳይ ሱዳን እንተደኣ ተፈቲሑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩነታት ዞባና ከምኡ እውን ኣብ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእልዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ።
More...
እዚ ዘለናሉ ዘበን ዓለማውነት (globalization)፡ ዓለምና ከም ሓንቲ ስድራቤት ተቐራሪባ ከም ዘላ ዘርኢ ምዕባለ እዩ። ነቲ ዝጸንሐ ምርሕሓቕ ኣብ ምቅርራብ ግደ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ክሳብ ክንደይ ዝለዓለ ምዃኑ ንነብረሉ ዘለና ህይወት’ዩ። እዚ ዕቤት ብመስርሕ ዝመጸን እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ዘለዉዎን ተርእዮ እዩ። “ምፍጣር ሓደ ሕብረተሰብ፡ ንናይ ሓባር ጸገም ናይ ሓባር መፍትሒ ኣስተዋጸኦ ምብርካት፡ ናይ ሃገራት ሃናጺ ውድድር ንማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት ምትብባዕ …..ወዘተ” ካብቶም ብእወንታ ዝግለጹ ገጻት እዮም። “ምትብባዕ ቁጠባዊ ገባትነትን በሓትነትን፡ ምድኻም ትካላዊ ኣሰራርሓን …..ወዘተ” ከኣ ኣሉታዊ ጐኒ ናይቲ ተርእዮ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ እዮም።
ጽልዋ ዓለማውነት ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንኹሉ መልክዓት እዩ ዝጸልው። እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ጽልዋኡ ግና ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካን ተክኖሎጂካዊ ዕቤትን ዝንጸባረቕ እዩ። ናይዚ ግብራዊ መግለጺ ካብ ዝኾኑ ከኣ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ዝምዕብሉ ዘለዉ ውድድራት እዮም። በመንጽር’ዚ ከምቲ ሓንቲ ሃገር በይና ቁጠባዊ ዕቤት ከተመዝግብን ጸጥተኣ ከተውሕስን ዘይትኽእል፡ በይና እተካይዶ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን’ውን ኣይረአን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ምስሕሓብ ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብተን ቀጥታዊ ሰብ ዋኒን ዝኾና ሃገራት ዝድረት ዘይኮነ፡ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፈን ዝሰለፉ፡ ነናቶም ሕሳባት ዘለዎም ሓይልታት እውን ዘሰንይዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይረአ ኣብ ዘሎ ምውጣጥ ዘሰልፍዎም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታትን ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ባህርን ተልእኮን የብሉን።
ብዛዕባ ህልዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ ዝያዳ ካብ ዝዝውተሩ ሕቶታት “ነፍሲ ወከፎም ንመን ኣብ ጐኖም ኣሰሊፎም ኣለዉ?” ዝብል ምዃኑ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ምስዚ ብዝተዛመደ፡ ኣስማተን ካብ ዝለዓል ጸለውቲ ትካላትን ሃገራትን፡ ሩሲያ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ህንዲ፡ ህብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን እንዳበልካ ዝቐርብ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣሎ። ብፍላይ ግብጺ፡ ሱዕድያን ሱዳንን ደገፍቲ ኤርትራ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ፡ ደጋፊት ኢትዮጵያ ጌርካ ምጥቃስ እምብዛ ልሙድን ርኡይን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እተን ዝድግፋ ኮና ዝቃወማ ሃገራት፡ ነናተን ረብሓ ዘማዕድዋ ኮይነን፡ እቲ ውግእ ኣብ ሜዳአን ኣብ ክንዲ ዝካየድ፡ ስግረ-ዶባዊ መልክዕ ንምትሓዝ፡ ንኻለኦት ዘዕጥቓን ዘስንቓን እምበር፡ ንህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝሓልያ ዘይምዃነን ብተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ።
ግብጺ ኣብ ጐኒ ኤርትራ እትስለፈሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኒል ዘለዋ ነዊሕ ዝዕድመኡ ምስሕሓብ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ሱዕድ ዓረቢያ ከኣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ብዘለዋ ሕዱር ናይ ውድድር ኣጀንዳ እያ ላዕልን ታሕትን እትብል። ሱዳን ከኣ ኣብቲ ካብ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእ ሕድሕድ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ክፍለያ ስለ ዘይትደሊ እያ።
ኢማራት ንኢትዮጵያ ትሕዝግዘሉ ዘላ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዲኣ ንምዕዛዝ ምስ ጅቡቲ ስምምዕ ገይራ ነይራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይቀጸለ ስለ ዝፈረሰ ኣይቀሰነትን። ድሕሪኡ ምስ ኤርትራ ተሰማሚዓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ሃኒጻ ከተብቅዕ ኣይቀጸለን። ሎሚ ከኣ ንኢትዮጵያ ደጊፋ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም እትውንን ከተኽላ እሞ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ካልእ መዋስኢ ቦታ ክትረክብ ሃሰስ ትብል ከም ዘላ ናይ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ሚዛን ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታት፡ እንተደኣ ውግእ ተኸፊቱ፡ ናይ “መን ኮን ይስዕር ምናልባታት?” ክለዓል ይስማዕ እዩ። እቶም ምናልባታት ኣብ ህልዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ደገፋትን ብዝሒ ህዝብን ወሰንቲ ኮይኖም ክቐርቡ ይስምዑ እዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምዕዋተይ ዋሕስ ኢሉ ደጋጊሙ ካብ ዘቕርቦም እውን እዞም ዝተጠቕሱ ቅድሚት ዝሰርዑ እዮም። እቲ ወሳኒ ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገራውነት ዝተሰረተሉ ጽኑዕ ዕርዲ፡ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ክነሱ፡ ክጥሕስዎ ዝደናደኑ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚርካ ዝስርዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ክሳራ ደኣ የኸትል ይኸውን እምበር፡ ዝመጸ እንተመጸ፡ “ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ”፡ ሕግን ስርዓትን ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ቀጻልነት ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ሰዓራይ ከም ዝኸውን ናይ ግድን እዩ።
እዚ ብኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ፡ “ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ኣይትፈልጥን ወይ ንዓሰብ ብዘይኣገባብ ኢና ስኢናያ” ዝማእከሉ ስንኩፍ ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል ሎሚ ናይ መጀመርታኡ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተፈቲኑ ዝፈሸለ እዩ። እቲ እዋንን እቶም ተሰለፍትን ደኣ ተቐይሮም እምበር፡ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብኢትዮጵያ ዝንዛሕ ዝነበረ ሓሶት እውን ብትሕዝቶኡ ካብዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ዝተፈልየ ኣይነበረን። እዚ ሎሚ “ኽንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ሒዝና፡ ከመይ ኢልና ኣፍደገ ባሕሪ ንስእን?” ዝበሃል ዘሎ ጸላዕላዕ፡ ብትሕዝቶኡ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ “ኢትዮጵያ ብዘይኤርትራ ክሳዳ ከምዝተቆርጸት’ያ”፡ ዝበሃል ዝነበረ ግጉይ ጐስጓስ ካብቲ “ታሪኽሲ ንገዛእ ርእሱ ይደግም” ዝበሃል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።
“ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ውግእ ብግብሪ ክካየድ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ጋና ዕቱብ መልሲ ዘይረኸበ፡ የማነ ጸጋም ዝወናጨ ዘሎ ግምት እዩ። እቶም ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝተሃንጸሉ መሰረት፡ ብክቱር ህርፋን ደፊእካ ከምዘይድፈር ዝርድኡ “ውግእ ዝካየደሉ ምኽኑይ መጎት ዘየለ” ዝብል ተረድኦ ኣለዎም። ነቲ መሰረት ዘየብሉ ኣብ ዘይጭበጥ ሃዋህው ዝሕንብስ ፈኸራን ዳንኬራን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓቂ ዝወስዱ ግና፡ “ ውግእ ከም ዘይተርፍ” እዮም ዝእምቱ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውግእ ክሳራን ዕንወትን ብምኳኑ፡ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ብሓቂ ንልምዓትን ረብሓን ህዝቢ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ውዑላትን ክኽምታእ ከምዝኽእል ተገንዚቡ፡ ናይ ውግእን ሳዕቤኑን ግዳይ ንኸይከውን ይኣክል ክብል ይግባእ።
ሰሙናዊት መጽሐት ዘኢኮነምሲ (The weekl Economist)፡ ኣብ ናይዚ ሰሙንዚ ሕታማ፡ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ መስሊ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓጺር ዳህሳስ ኣቕሪባ። ኣብቲ ዳህሳሳ ድማ “ሓደጋ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊራ። ኣተሓሒዛ ከኣ እቲ ብሳላ ውዕል ፕሪቶርያ 2022 ተረኺቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ስግኣት’ዩ ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።
ብገምጋም እታ መጽሐት፡ ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣሎ ዝበሃል እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጸንሐ ዝምድና ቅልጡፍ ወጥሪ ይምዕብል ኣሎ ኢላ። ህወሓት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምጥሓስ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝነበሮ ገንዘባዊ በጀት ጠጠው ብምባልን ብወተሃደዊ ምፍርራሕን ከም ዝኸሶ እታ መጽሐት ጥቒሳ።
እቲ ምክሳስ ብኽልቲኡ ወገናት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ዘኢኮኖሚስት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ፡ ውግእ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ከብቅዕ፡ ውግእ እንተጀሚርና ግና ጠጠው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የለን ከም ዝበለ ኣስፊራ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኣይንረክብን ኢና” ምባሉ ጠቒሳ። ኣተሓሒዛ ከኣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሕድሕድ ምክፍፋላት ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ኣስፊራ።
.
መጽሐት ዘኢኮኖሚስት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድሕርን ወደብን ምልዓላ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ዶባት ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘርእዩ ምስልታት ይወጹ ከም ዘለዉ ጸብጺባ። እዚ ምዕባለዚ ኣብ ንህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ገለ ሓይልታት ሱዳንን ዝምልከት ኣሰላልፋ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ዝሃለወሉ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻባ ተጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰዓብተንን ኢድ ኣዙራዊ ውግእ ክባራዕ ከም ዝኽእል ስግኣታ ብምጥቃ ኣጠንቂቓ።
መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐ መግለጺ ኣውጺኣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስዎ ብዛዕባ ዘይግበኦም ከባብታት ዝምልከት መተሓሳሰቢ ምውጽኡ ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝለዓለ ጸጥታዊ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ከምኡ እውን ብሰንክቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጂንካ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ምንቅስቓሶም ከዘውትርዎም ዘይግበኦም ቦታታት ዘርዚራ። ካብቶም ከይንቀሳቐስዎም ዘጠንቀቐቶም ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሲዳማን፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰና ዞባታት ክልል ኦሮሞ፡ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ፡ ምብራቕ ወሎ፡ ወለጋ ቀሌምን ሆሮ ጉድሩን ኣብቲ መጠንቀቕታ ተዘርዚረን።
እቲ ብ14 ሕዳር 2025 ዝወጸ ናይ ካናዳ መጠንቀቕታ ኣብተን ዝጠቐሰን ክልላትን ዞባታትን፡ ውግእ፡ ሲቪላዊ ምምዝባላትን ዝተፈላለዩ ገበናትን ይገዱ ምህላዎም ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ካልእ ቦታታት ብምርእኣይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ጠቒሱ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽኡ ሰብ መዚ ካናዳ ኣብተን ደሓን ዝበሃላ ከተማታት እውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም። ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉልን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ስግኣት ዝስረዓ እየን ኢልወን።
እዚ ከምዚሉ እነሎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜጋታቱ ናይ ምንቅስቓስ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ፡ ካብ ዶባት ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ንከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።
ነዚ መጠንቀቕታ ከውጽእ ዘገደዶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ዝበሎ ምትፍናን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ብሃንደበት ክቀያየር ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ሓድሽ ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ምውጻእ ስለ ዘጸግም፡ ዜጋታቱ መሰረታዊ ነገራት ገዚኦም ክቕረቡ ይግበኦም ክብል እውን ኣዘኻኺሩ።