ኣብ ሱዳን ወጻእተኛታት ኣብ መደበር ንምእታውን፡ ሚኒስተራት ምስንባትን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ ምስልታት ከተማ ካርቱም ድሕሪ ውግእ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጀነራል ካሊል ባሻ ሳይሪን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጽእተኛታት ካብ መንበሪ ከባብታት ናብ ዝዳለወሎም መደበራት ስደተኛ ክውሰዱ መደብ ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ሓቢረን። ናይዚ ስጉምቲ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም ዝርከብዎም ከኣ ካለኦት ምንጭታት ሓቢረን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሓያሎ ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱን እቲ ስጉምቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል መንገዲ ንምጽራግ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ናይ 23 ማዝያ 2023 ውግእ ሕድሕድ ምጅማሩ 837 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ውግእ ግና ውሑስ ቦታ ንምርካብ ካብኣቶም 266 ሺሕ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ክሳብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ጸገማት’ኳ የጋጥሞም እንተነበረ፡ ካብ መደበራት ወጻኢ ምስ ሱዳናውያን ናይ ምንባር መሰል ከም ዝነበሮም ጠቒሱ።
እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ካርቱም ኣብ ኢድ ሰራዊት ኣልቡርሃን ምእታዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ካብቲ ምስ ሱዳናውያን ዝነብርዎ ዝነበሩ ከባቢ ናብ መደበራት ከም ዝውሰዱ ሓቢሩ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ መጻኢ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝነብሩ ዘመላኽት እዩ ኢልዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዓሊ ዩስፍን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዑመር በኺትን ካለኦት ሓሙሽተ ዝርከብዎምን ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዘውረደ ተፈሊጡ። እቲ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት መንገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።
ናይቶም ሚኒስተራት ምውራድ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተኣወጀ፡ እቶም ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ክልተ ሚኒስተራት ግና ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ተኣሚኖም እንከለዉ። ብፍላይ እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ብምውራዱ ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሱ ንሃገሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ግና ክቕጽለሉ ምዃኑ ምምልካቱ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ኩነታት፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሱዳናውያን ወገናት ሓቢሮም መንግስቲ ንክምስርቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ለንደን ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝተጋበአ ኮንፈረንስ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነቱ ዕጽዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ።
“ኤውሮጳዊ ኮሚተ ንወጻኢ ዝምድናታት/ECFR” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ዝሰፈረ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ትግራይ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከም ዘላ ብምጥቃስን ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ምውጣጥ ኣትየን ከም ዘለዋ ብምሕባርን ክልቲአን ሃገራት ካብ ተግባራተን ከቋርጻ ብትሪ ጸዊዑ። ዝምድናአን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ዝተበላሸወ ዝጠቐሰ እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምድላው ንዝለዓለ ውግእ ከም ዝርከባ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክተት ክትጽውዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ክልል ዓፋር ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዘጐዓዘት ኣብቲ ድሕረ ማይታ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ ተንተና ኣስፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ ብ1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝጀመረ ውግእ ቀልጢፉ ከም ዝሰፍሓ ዝገለጸ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ድሕሪ ትግራይ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ 2022 ዝምድናዊ ሰላም ምርካባ፡ ኣብ መንጎአን ሰፊሕ ፍልልይ ተፈጢሩ’ሎ ኢሉ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ንትግራይ ኮነ ካለኦት ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣካላት እውን ዘየቕሰን ኩነታት ምዃኑ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካው ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውግእ ንከምርሓ ጠንቂ ከም ዝኸውን ድማ ብሰፊሑ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ሕብርተሰብ ዓለምን ኮነ ኤውሮጳ እቲ ወጥሪ ክንኪ ካብኡ ሓሉፉ ምሉእ ብምሉእ ንክቋረጽ ክጽዕቱ ምዃኖም ኣዘኻኪቱ።
እቲ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ውግእ ከም ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ፡ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሻቕሎት ከም ዝፈጥርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ከም ዘስዕብን ብምግንዛብ፡ ደው ንከብሎ ከም ዝጽዕር ኣገንዚቡ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ህውከት ወሲኹ፡ ከም ግብጽን ሩሲያን ንዝኣመሰላ ሃገራት ኢደን ንከእትዋ ኣፍደገ ከይከፍት ከም ዘስግእ ተመልኪቱ። ንዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ኤውሮጳ እውን ብደሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዛዕባ ዘሎ ስግኣት ድማ ኣስፊሩ።
እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኣባይን ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያን ብዘለዋ ፍልልይ ኢራን ድማ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ብዘለዋ ዝምድና ብዝተሓሓዘ ንኤርትራ ክድግፋን ከዕጥቓን ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣቱ ብምሕባር፡ ብመንጽርዚ ኤውሮጳ ነቲ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መሪሕ ግደ ከም ዝህልዋ ጠቒሱ። ኢጣልያ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዘለዋ ሚዛናዊ ዝምድና ብሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን እናተሓገዘት እቲ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ግደ ከም ዝህልዋ ኣመልኪቱ።
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ማዝያ 2025 ን3 ተኸታታሊ መዓልታትት ዝተኻየደ ጉባአ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ሓቢሩ። ናይቲ ሰልፊ ጉባአ “ሰላምን ውሑስ መጻእን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ከም ዝተኻየደ እውን እቲ ኣባላት ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ ብጾት ማህደር ዑቕባዝግን ሙሴ ዓማርን ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ጉባአ 300 ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጹ ጉባአተኛታት ከም ዝነበሩን ካለኦት ብሓላፍነቶምን ናይቲ ሰልፊ ነባር ኣባልነቶምን ዝተሳተፉ ምንባሮም’ውን እቲ ልኡኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተዓደሙ ወከልቲ ኣጋይሽ ምንባሮም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ ጉባአ ብኣቦመንበር ናይቲ ሰልፍን መራሒ መንግስቲ ናይታ ሃገርን ዮናስ ኮይኑ፡ ኣብቲ መኽፈቲ መደረኡ፡ ኣብዚ ዘይርጉእነትን ህውከትን ዝበዝሖ ግዜ ድሕነት ህዝብን ናጽነትን ንምሕላው፡ ጽኑዕ ፖልቲካዊ ምሕደራ የድሊ።” ምባሉ ተሓቢሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ምትእትታው ፖሊሲታት ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡ ምስ መሓዙትን ጐረባብትን ሃገራት ከምኡ እውን ምስ ትካል ናቶ ተቐራሪብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ ንናይ 1940 ተመኩሮ ሃገሩ ብምዝካር፡ ናይታ ሃገር ሓይልታት ፍልልይ ኣለና ብዘይምባል ሓቢርካ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ምስላፍ የድሊ ምባሉ ተገሉጹ።
ንማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝምልከቱ ድማ፡ ናይ ሕክምና፡ ደሞዝ፡ ውሕስነት፡ ጡረታ፡ ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ዝምልከቱ መሰላትን ንዝምድና ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ ፖሊሲታት ድሕሪ ምጥቃስ ብዛዕባ ኣድላይነትን ጐዳእነትን ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ምህርትን ሕክምናን ኣዘኻኺሩ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ተመሃሮ ምዝራቡ እውን ናይቲ ልኡኽ ሰዲህኤ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናብቲ ጉባአ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይቲ መራሕ መንግስትን ሓላፊ ሰልፊ ዕዮን ነርወይ ብዛዕባ፡ ጸዓት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መጐዓዝያ፡ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ውሽጣዊ ድሕንነት፡ ሃብቲ መሬት፡ ክሊማ፡ ቀረጽን ዝኣመሰሉን ናይታ ሃገር ፖሊሲታት ምድህሳሱ ድማ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባአ ካብ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ናይ ኤርትራ፡ ደንማርክ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ፡ ፍልስጥኤም፡ ኩርዲስታን፡ ዒራቕ፡ ነይሮም። ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ’ቶም ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ጐኒንጐኒ እቲ ጉባአ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝገበረን ንመጻኢ ዘቕጽሎ ሌላ ከም ዝገበረን ከኣ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሞደልነት ሃገር ኖርወይ ንዕዱማት ኣጋይሽ መግለጺ ተዋሂቡ።
ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓደ: ካብ 100 ፈጠርቲ ተጽዕኖ ናይ 2025 ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኢትዮጵያዊ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ሓደ ካብቶም መጽሔት ታይም ናይ 2025 ፍሉይታ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ኢሉ ዘስፈሮም ባእታታት ኮይኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። እዚ ኩነታት ዶር ቴድሮስ 2ይ ዙር ትካል ጥዕና ዓለም ክመርሕ ኣብ ዝተመርጾ፡ ከም ኣብ ፖለቲካ፡ ሳይነስ፡ ኣርትን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ጽላታት ልሉይ ኣብቲ ዝርሑ ልሉይ ኣበርክቶ ከም ዝፈጸመ ዘመልክት እዩ።
እዚ ኣብ መጽሔት ታይም ዝወጽእ ዓመታዊ ዝርዝር ተጽዕኖ ፈጠርቲ ባእታታት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብቲ ዝተዋፈርዎ ንዘበርከትዎ ልሉይ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። ብመንጽርዚ ዶር ቴድሮስ ኣብቲ ዝተመደቦ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ምስፋሕ ቀረብ ሕክምና ንዘርኣዮ መሪሕነታዊ ብቕዓት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።
ድሕር’ቲ ንዝተዋህበ ኣፍልጦ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምዝርግሑ፡ ዶር ቴድሮስ ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ዝመርሖ ትካል ዘሎ ሰራሕተኛ ዘበርከቶ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ንዓኡ ዝተዋህበ ኣፍልጦ ንኹሎም’ቶም ምስኡ ዝሰርሑ እውን ዝተሃበ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ዶር ላሪ ብሪሊንት ዝተባህለ ኣብ መጽሐት ታይም ዝጽህፍ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ዶር ቴድሮስ ኣብ ኣተኣላልያ ብደሆታት ጥዕና ዓለም መትከላውን ሳይነሳውን ብዝኾኑ ውሳነታት ዝመከተ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ዶር ቴድሮስ ንትካል ጥዕና ዓለም ዝመረሓ ናይ መጀምርያ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ይንገረሉ።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን ትግራዋይ ምዃኑ ዝንገረሉ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 2ይ ዙር ዲረክተር ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኮይኑ፡ ቅድሚኡ ኣብ መንግስታዊ ጽፍሕታት ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ፡ ሚኒስተር ጥዕናን ወጻኢ ጉዳይን ልሉይ ኣበርክቶ ዝፈጸመ ምዃኑ ይንገረሉ።
ኣባላት ሰዲህኤ ኖርወይ ኣብ ጉባኤ labour party ኖርወይ ተሳቲፎም
Written by ኣባላት ሰዲህኤ ኖርወይመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ወሲኽካ፡ 10 ኤምባሲታትን 20 ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ። ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ ካብተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ግሪናዳ፡ ሌሰቶ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፡ ሉግዘምበር፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ደቡብ ሱዳን ማልታን ማልዲቨስን ዘለዋ ከም ዝርከበአን ኣፍሊጡ።
ሲኤንኤን ብወገኑ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣመሪካ ረኺበዮ ዝበሎ ሰነድ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ 30 ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው ዕላማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ወጻኢ ዲፕሎማሲያዊ ኣተሃላልዋኣ ክትቅይር ስለ ዝደለየት ክትወስዶ መዲባቶ ዘላ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣመርካ ብዘይካቲ ናይ ምዕጻው መደብ ኣብተን ብጉዳይ ፈጠርቲ ራዕዲ ፍሉይ ቆላሕታ ክትገብረለን ዝጸንሐት ኤንባሲታታ ኣብ ዒራቕን ሶማሊያን ድማ ኣተሃላልዋኣ ክትንኪ ምዃና ጠቒሱ።
እዚ ናይ ምዕጻውን ኣተሃላልዋ ምንካይን እማመ ዝመጽእ ዘሎ ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት መንግስታዊ ኣካላት እውን ናይ ምጽግጋዕ መደባት ይካየድ ኣብ ዝሃለወሉ ምዃኑ ሲኤንኤን ብተወሳኺ ጠቒሱ።
እቲ ማዕጻው 5 ኣብ ፈረንሳይ፡ 2 ኣብ ጀርመን 2 ኣብ ቦስኒያ፡ 2 ድማ ኣብ ሄርዞጎቪና ዝርከቡ ቆንስላት ኣመሪካ ከም ዝጠቓልል ከኣ ተሓቢሩ። ናይተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ኣብ ጐረባብተን ሃገራት ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣመሪካ ክወሃብ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እውን እቲ ሲኤንኤን ዝረኸበ እማመ ከም ዘስፈረ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎ ማሕበራዊ መዲያ ተስፋ ነውስ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርዝር ናይተን ዝዕጸዋ ምህላዉ ተኣሚኑ፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ናይ ቲቦር ናጂ ርኢቶ ዝመሳሰል እዩ ኢልዎ።
ናይ ዞባና ኮነ ኣህጉርና ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ክብን ለጠቕን እናበለ ብቐጻሊ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። ኣብቲ ቀጻሊ ሓጐጽጐጽ በብግዜኡ ዝተፈላለያ ሃገራት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኾና። እቲ ዝላዓል ዛዕብታት ከኣ እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ይህልዎ። ትሕዝትኡ ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ወተሃደራዊ ግጭታትን ውግኣትን ዘስዓቦ ሓደጋታት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ምዕልባጥ መስርሕ ገለ ሃገራት ግዳይ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ግዳይ ክኾና ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ንመጀመርተኣ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጀንዳነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኮይና’ላ።
ሓንቲ ሃገር ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲሙ ስሙ ዝጽዋዕ መሪሕ ተዋሳኢ፡ እቲ ዝመርሓ ባእታ ወይ መንግስቲ እዩ። ተሳትፎኡ ከከም ባህሪ ናይቲ ዘመሓድሮ መንግስቲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ህዝቢ እውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያኡ ዝለዓል ኣጀንዳን ምንቅስቓሱን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ነጸብራቕ ተግብራት ናይቲ “ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍን ናይ ዜና ማዕከናቱ “ሃበስቀደስን” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ብሰንኪ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ፡ ግደኡ ዝተደረተ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ “ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ከየጋጥም የስግእ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢኸ ነቲ ኩነታት ከመይ ይርእዮ’ሎ” ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ድምጺ ህዝቢ ክስመዓሎም ዝነበሮ ተረኽቦታት፡ ብዛዕባ ግደኡ ተሓቲቱስ፡ ዘዕግብ ምላሽ ዘይነበሮ ምዃኑ ስለ ዝዝከር፡ ሎሚ ንእጃም ህዝቢ ኤርትራ ብዝምከት ብዙሕ ዝለዓል ከምዘይኮነ፡ ዘንጸባርቑ ወሃብቲ ርኢቶ ብዙሓት እዮም። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ሎሚ “ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ወዲቐን ተናዒቐን?” ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ንክሓትት ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ኣጀንዳ እትኸውን ዘላ ሃገሩ፡ ብናቱ መሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝመጸት ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን መሬታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እውን ንዕኡ ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ህግደፍ ክመጽ ናይ ዝኽእል ውግእ ናይ ህይወት ኮነ ንብረት ዋጋ ዝኽፍሎ ንሱ ምዃኑ እውን ኣብ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ ኣገዳሲ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተበጽሐ ውዕላት፡ ኣብ ኣልጀርስ እውን ዝተኸተመ ስምምዕን ዝተበየነ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ይመልከት” ኢሉ ኣትሪሩ ዘይምሓዙ ክጥዓስን ካብኡ ተማሂሩ ዋና ናይዚቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና።
ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ተበሃግን ተሃዋስን እዩ። ኣብዚ ዞባ እትርከብ ሃገር ነቲ ተበሃግነት ብዝምጥን ውሕሉል መንግስቲ ክትምራሕ እንከላ ጸጋኣ ዕዙዝ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓኣ ብዘይምጥን ሃላሊ ክትመሓደር እንከላ ከኣ ተጠቃምነታ ተሪፉ ጸላእቲ እትዕድም ግዳይ እያ ትኸውን። ንኤርትራ ክገጥማ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ብጸጋታታ ተጠቃሚት ዘይምዃን ከኣ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስጋኢ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ምውጣጥ፡ ኣብ ርእሲቲ ህንጡይነት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ኤርትራ ንምምራሕ ዘይምጥን ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣሉታዊ ግደ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ’ዩ።
ትማሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብዝፈጠሮ እሞ ዕድሚኡ ዝሓጽር ዘሎ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ንምጽብባቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድረኻት፡“ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን፡ ክልተ ህዝብታት እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ዕላማ ዝምድናና ኢትዮጵያ ከይትበታተን ምሕላው እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ደጊም ኣብይ ኣሕመድ ኢኻ ትመርሓና………. ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰመዖ ኤርትራዊ የለን። “ኣይፋልካን ዓሪ ደኣ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ዲክታተር ንምስናይ ምስ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም፡ “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይስዕር (ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል) …….” ዝበሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ሎሚ እንተኾነ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕልናኦም “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም እንተዘይ ተናሲሖም፡ ከም ሰብ ካብ ምሕሳብ’ውን በዂሮም ዘለዉ እዮም።
ኣብ ኣልጀዚራ፡ ዘኢኮነሚስት፡ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕን ካለኦት ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን፡ ብዙሓት ብዛዕባ ውግእን ወጥርን ተመኩሮን ኣፍልጦን ዘለዎም ፖለቲከኛታት “መን ይጅምሮ ብዘየገድስ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምብርዑ ከም ዘይተርፍ የተንብሁ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ዝቐደመ ንብዓቱ ከይደረቐ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ውግእ፡ ብስሩዕ ዝሕብሮን ዘጠንቅቖን መንግስቲ የብሉን። ነቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ተዓዚቡ ካብ ምስጋእ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። “ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ቱርኲ ሱዕድያ፡ ኤመረት” ዝኣመሰሉ ኣስማት ሃገራት እናጸውዐ፡ “ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ደኾን የዕግሱልና?” ኢሉ ተስፋ ዘሕድር ከኣ ውሑድ ኣይኮነን።
እዘን ሃገራት ነቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት “ከዕግሱልካ” ምጽባይ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚት ዝስራዕን ወሳንን ግና “ኣብቲ ጉዳየይ፡ ኣለኹ ባዕለይ?” ምባልን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጉዳያት ከይተበላሸወ ድምጹ ዘይምስማዕ፡ ብኣንጻሩ መዳመቒ ብምዃን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝዝክሮ የለን። ስለዚ ነቲ “ናይ ውግእ ውሉፍ” ህግደፍ ብዝመልመሎም ዘይሓላፍነታውያን ኣቢሉ ዝድስቖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምድማቕ፡ ከሎ ጌና፡ “ስለምንታይ?፡ ብዘይካ ውግእከ ካልእ መፍትሒ የለን ድዩ?፡ ከም ህዝብን ሃገርንከ ኣየናይ ኣገባብ’ዩ ዘዋጸኣና?” ኢሉ ክሓትት፡ መልሲ ክረኽበሎምን ብእኡ መሰረት ክንቀሳቐስን ይግበኦ።
ሩሲያ ኮነ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኮነ ኢራን፡ እስራኤል ኮነ ፍልስጤም ክለዓላ እንከለዋ፡ “እሞ እቲ ህዝበንከ ከመይ ይርእዮ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝለዓል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ፕርፖጋንዳዊ ኩርባባን ሕድሕድ ምንእኣስን” ዝሓየለሉ እዋን “ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራኸ ከመይ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ርዱእ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝኸውን ብሱል መልሲ ንምሃብን መዋጽኦ ንምእማትን፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነኸ ኣብቲ ጉዳየይ?” ንዝብል ብግቡእ ከቕልበሉ እነዘኻኽሮ።
ባህግና Bahgna Media 13.04.2025: ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃኑ ሓደጋ፣ ዋና ናይ ቃልሲ ህዝቢ እዩ
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ኣብ ዓለም፣ እተን ህዝበን ናይ ምምራጽን ምድማጽን መሰሉ ተጠቂሙ ስርዓታተን ብዲሞራስያዊ ኣገባብ ዘቆማ ሃገራት ምንጪ ናይ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ድማ‘ዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ሓራ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፣ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን” ዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕያኡ ኣስፊሩ እንረኽቦ።
መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እቲ ቀንዲ ዋና ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ምዃኑ እንገልጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝያዳ ዝውጻዕን በቲ ለውጢ ዝጥቀምን ንሱ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ እቲ መዐወቲ ናውቲ እንተኾነ‘ውን ኣብ ኢድ ናይቲ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ብኻልእ መልክዕ ዝተሰለፍና ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ባእታታትን ወትሩ ውክልናናን ተሓላቕነትናን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እነነጽርን እነቃልሕን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝካየድ ንቕሎታትን ዝቃላሕ ጭረሖታትን ኩሉ ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል‘ዩ። ምኽንያቱ ገለ ካብኡ ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ከኣ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ወፍርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ህዝቢ ነቲ ምስ መሰረታዊ ድሌቱ ዘሳንን ዘየሳንን ኣተኲሩ ናይ ምምማይ ንካልእ ኣሕሊፉ ዘይውሃብ ሓላፍነቱ እዩ። ኣተኲርካ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ኣየናይ እዩ “ቅኑዕ” ኣየናይከ “ግጉይ” ትብል ናይ ምውሳን ሓላፍነትን እውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ብቓልሱ ከረጋግጾ ዝጽዕተሉን ዘሎ ዕላማ እንታይ እዩ ዝብል፡ ናብ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝወስደና ፍሉጥ እዃ እንተኾነ፡ ብውሕዱ ግና ሓድነቱን ሓድነት ሃገሩን ዘውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ዝበረኸ ናይ ምውሳን ደረጃ ዝቕመጠሉ፡ ኩሉ መሰላቱ ዝረጋገጸሉን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወጸሉን ኩነታት ምርግጋጽ ከም ዝድግፍ ብዘይጥርጥር ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መቑሓዊ ኣመሓዳድራ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣፉ መሊኡ ክዛራብ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ካብ መቑሕ እቲ ጉጀል ዝወጸሉ ኩነታት ርሑቕ ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ምዕባለታት ከኣ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ “ምእንታኻ’የ” ዝብሎ ካብኡ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ወረን ሓበሬታን የብሉን ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕብኡ ከሎ ጋና ንጹር ሚዛንን ሓሳብን ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ ድሕሪ ውድቐት ህግደፍ እውን፡ ካብዚ ንጹር ሓሳብን ሚዛንን ዝነቅል ተግባር እዩ፣ ዝድህሰስ ውጽኢት ዝርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ክበቅዕ ክዕቅቦም ካብ ዝግበኦ ጸጋታት ቀንዲ እቲ ብዝተፈላለዩ፡ ኣስማት ዝቐያይሩ ወገናት፡ ብውሽጥን ብወጻእን ዝህደድ ዘሎ ሓድነቱ እዩ። ሓድነቱ ንዝህድዱ ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ብሓሳብ ጽባሕ ድማ ብተግባር “ኣይደልዩንን እዮም” ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ውጽዓ ኣብ ሓድነቱን ግዲኡን ዘየደልደለ ህዝቢ እዩ ዝሰፍር። ምድልዳል ሓድነትን ምዕዋት ኣንጻር ወጽዓን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ተመኩሮ’ውን ስለ ዝኾነ።
እቶም በጃ ህዝቢ ኢና እንብል፡ ግና ኸኣ፣ ብኣካል ካብቲ ህዝቢ ርሒቕና ንነብር ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ህዝብና ቀንዲ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዞ’በር ክንትከኦ ኣይኮነን ዕላማና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ እንምረሓሉ ናይ ቃልሲ ጭረሖ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብግቡእ ዘንጸባርቕ እምበር፡ ንናይ ውሱን ውዳበ ስምዒት ሒዙ ዝዕንድር ክኸውን የብሉን። እዚ ክንብል እንከለና‘ውን እቲ ሓቀኛ ንህዝቢ ዝውክል ርኢቶን ኣተሓሳስባን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ክጻፈፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጽባሕ ብናይ ህዝቢ ቅዋማዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዑ ብዝሕዝ ፍልልይ ሎሚ ኣይንረሓሓቕ እንብል።
ምስ ህዝቢ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ውድባትን ሰልፍታትን ዝርከብ ፍልልይ ናብ ጽልኢ፡ ባእስን ተረሓሒቕካ ምንባርን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይግበኦ ብሓሳብ ደረጃ ኩልና ንሰማመዓሉ ኢና። ብተግባር ግና ኣይከምቲ ብሓሳብ እንርድኦን። ገለ ወገናት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሰባት ስለ ዘይፍለ ዳርጋ ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። እዚ ፍልልያት ኣብ ሕድሕዱ ተፈሓፊሑ ዝወልዶ ናይ ሓባር ሓሳብ ከኣ እቲ ምሩጽ ዘሳኒ ሓሳብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋን፣ ብዛዕባ ኣተሓሕዛና ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝርጋሐ ምሕደራ፡ ግደ ቋንቋታትን ባህልታትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን፣ ዝዓበየ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣቐሚጥና ምስሕሓብ፣ መግለጺ ዘይምክእኣልና ተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምክእኣል ከኣ ሓቢርካ ናይ ምንባር ወርቃዊ ሜላ እዩ። እዚ ክከኣኣል ዝግበኦ ሓሳባት ተፈራሪሑ ድዩ ተነዓዒቑ ከካብቲ ዘለዎ ሳናዱቕ ወጺኡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ተራኺቡ ተፈሓፊሑ ማእከላይ ሃናጺ ሓሳብ እንተዘይወሊዱ ከኣ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።
ስለዚ “ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ፡ ለውጢ ከኣ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” ክንብል እንከለና፡ መሲልካ ንምቕራብን ንመሕብእን ዘይኮነ እንግዘኣሉ መትከል ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ በታ ዘላቶ ውስንቲ ዕድል እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ጽባሕ ሓሳቡ ብሰላማዊ ሰልፍን መሰል ናይ ኣደባባይ መድረኽን ዝገልጸሎ ዕድል ዝፈጥር መን እንታይ ይብል ኣሎ ምክትታሉ ክገብር ሓላፍነቱ እዩ።
ልዕሊ 100 ተመዛበልቲ ተቐቲሎም፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርዶጋን ተራኺቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ሰሜን ዳርፎር፡ ዛምዛም ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 9 ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካል ሕክምናዊ ረዲአት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ኣፍሊጠን። እቲ ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራሒ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ12 ማዝያ 2025 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንታሊያ ምስ ፕረሲደንት እታ ሃገር ጠይብ ኤርዶጋን ተራኺቡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።
መዕቆቢ ዝተመዛበሉ መደበር ዛምዘም ካብ ከተማ ኢል ፋሻር 12 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ እቲ ዘይሰብኣዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ ደገፍቲ መዲያታት ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ቪድዮ ብዝምርጋሕ ከም ዘረጋገጸኦ ተፈሊጡ። ኢብራሂም ካተር ዝተባህለ ዲረክተር ጀነራል ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳንን ግዝያዊ ሚኒስተር ምምሕዳር ሰሜንን ዳርፎርን ፡ እቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ካለኦት ህጽናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝርከብዎም ብዙሓት ከኣ ከም ዝቖሰሉን ኣቃሊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጀነራል ኣል ቡርሃን ናብ ቱርኪ ኣንታልያ ዝኸደሉ ምኽንያት “ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ” ብዝብል፡ ናይ ቱርኪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣብ ዘዳለዎ እሞ ብዛዕባ ዓለምለኻውን ዞባውን ብደሆታት ምይይጥ ዝተኻየደሉ ርክብ ንምስታፍ እዩ። ምስዚ ኣኼባዚ ጐኒንጐኒድማ ምስ ፕረሲደንት ቱርኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብደሆታትን ክልቲኦም ወገናት ክተሓጋገዝሉ ዝኽእሉ መዳያትን ንምድህሳስ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተመያየጡ፡ ንመገሻኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ጅነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዝተዓደመሉ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቱርኪ ንመንግስቱ ክትህቦ ብዛዕባ ዝጸንሐት ደግፍን ኣብ ልኡላውነት ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ዝምልከት ከም ዝገለጸ ተሓቢሩ። ተዓዘብቲ ብወገኖም ቱርኪ ኣብ ኩለ-መዳያዊ ዳግመ-ህንጸት ሱዳን ግደ ከም ዝህልዋ ይሕብሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘመዝገቦ ዓወት ኤርትራ ንዝገበረትሉ ሓገዛት ከም ዘመገነ ናይ ህግደፍ መዲያታት ከይተረፋ ምሕባረን ዝዝከር እዩ
هل هناك فرق بين الاختلاف والخلاف؟.. نعم، الفرق كبير بينهما في المعنى والممارسة.
الاختلاف يعني تفاوت في وجهات النظر و التباين في الرأي حول أمرٍ ما، أو موضوع او قضية، دون أن يؤدي الى اي شكل من اشكال النزاع او العداء، وهو أيجابيّ، ولا يُعيق الوصول إلى تفاهم مشترَك، وتبنّي الرأي الافضل الذي تمت الموافقة عليه. بإختصار يعني تنوع الآراء دون ان يؤدي اذلك إلى نزاع وعداء، وهو ظاهرة إيجابية اذا تمت ادارته بحكمة.
اما الخلاف عكس الاختلاف؛ يعني التعارض والنزاع في المسائل او القضايا، وقد يؤدي الى خصومة وعداء بسبب التعصب للرأي وعدم قبول الرأي الآخر وهو ظاهرة سلبية من الممكن ان يسبب الفرقة.
منذ ميلاد الحركة الوطنية الارترية في مطلع الاربعينات من القرن الماضي ممثلة في جمعية حب الوطن، سرعان ما دب الاختلاف بين عناصرها، والذي تحول الى خلاف لسوء ادارته بحكمة، و التعامل معه في اطار التباين في الرأي. وقد انتقل ذلك الداء العُضال الى الاحزاب التي ظهرت بعد انقسام جمعية حب الوطن، وهي ايضا انشقت بدورها، وصار الحزب الواحد اكثر من حزب، وانتقل الامر الى الثورة الارترية، وظهرت الانقسامات في عقدها الاول.
واليوم أيضا، تعاني المقاومة الارترية من نفس الداء الذي اصابنا في بداية نشأة الحركة الوطنية، ولذلك يمكننا القول بأنّ استمرار معاناة الحاضر يرجع الى عدم معالجة اخطاء الأمس، وسوف تستمر المعاناة إن لم تجد دواءً ناجعاً، لتنتقل إلى جيل المستقبل.
ان الشعوب التي لاتقرأ تاريخها بوعي، ولا تعالج مكامن الخطأ فيه، تعيش وهي تلدغ من نفس الجحر ولا تتقدم.
وفي وقتنا الحاضر اذا قمنا بتقييم موضوعي للحياة السياسية الارترية وممارستها، من قبل التنظيمات السياسية ومنظمات المجتمع المدني، والنشطاء السياسين، نجدهم الكل يغرّد بمفرده، الكل يريد ان يكون هو القائد وليس الآخر، وبهذ العقلية، وعند الشروع لإقامة مظلة جامعة، او تحالف واسع، او جبهة متحدة، في البداية، أول خطوة ستكون هي لعبة المحصلة الصفرية، والنتيجة واضحة وضوح الشمس، لا احد منا يكون الفائز، وسيخسر الوطن . ولذا عوضاً عن هذه اللعبة العقيمة والتي لم نجني منها ثمرة، لماذا لا نلعب اللعبة الأخرى، حيث يكون فيها الكل رابحاً "اي الوطن رابج" . إذ أنّ بالاتفاق فقط تبنى الأوطان، وليس بغيره.