ካብ ምስልታት ከተማ ካርቱም ድሕሪ ውግእ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጀነራል ካሊል ባሻ ሳይሪን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጽእተኛታት ካብ መንበሪ ከባብታት ናብ ዝዳለወሎም መደበራት ስደተኛ ክውሰዱ መደብ ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ሓቢረን። ናይዚ ስጉምቲ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም ዝርከብዎም ከኣ ካለኦት ምንጭታት ሓቢረን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሓያሎ ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱን እቲ ስጉምቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል መንገዲ ንምጽራግ  ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ናይ 23 ማዝያ 2023 ውግእ ሕድሕድ ምጅማሩ 837 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ውግእ ግና ውሑስ ቦታ ንምርካብ ካብኣቶም 266 ሺሕ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ክሳብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ጸገማት’ኳ የጋጥሞም እንተነበረ፡ ካብ መደበራት ወጻኢ ምስ ሱዳናውያን ናይ  ምንባር መሰል ከም ዝነበሮም ጠቒሱ።

እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ካርቱም ኣብ ኢድ ሰራዊት ኣልቡርሃን ምእታዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ካብቲ ምስ ሱዳናውያን ዝነብርዎ ዝነበሩ ከባቢ ናብ መደበራት ከም ዝውሰዱ ሓቢሩ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ መጻኢ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር  ብኸመይ ከም ዝነብሩ  ዘመላኽት እዩ ኢልዎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዓሊ ዩስፍን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዑመር በኺትን ካለኦት ሓሙሽተ ዝርከብዎምን ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዘውረደ ተፈሊጡ።  እቲ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት መንገዲ ዝጸርግ  ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።

ናይቶም ሚኒስተራት ምውራድ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተኣወጀ፡ እቶም ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ክልተ ሚኒስተራት ግና ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ተኣሚኖም እንከለዉ። ብፍላይ እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ብምውራዱ ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሱ ንሃገሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ግና ክቕጽለሉ ምዃኑ ምምልካቱ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እዚ ኩነታት፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሱዳናውያን ወገናት ሓቢሮም መንግስቲ ንክምስርቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ለንደን ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝተጋበአ ኮንፈረንስ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነቱ ዕጽዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ።

 “ኤውሮጳዊ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት/ECFR ኣብ ዝተባህለ መርበብ ዝሰፈረ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ትግራይ  ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከም ዘላ ብምጥቃስን ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ምውጣጥ ኣትየን ከም ዘለዋ ብምሕባርን ክልቲአን ሃገራት ካብ ተግባራተን ከቋርጻ ብትሪ ጸዊዑ። ዝምድናአን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ዝተበላሸወ ዝጠቐሰ እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምድላው ንዝለዓለ ውግእ ከም ዝርከባ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክተት ክትጽውዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ክልል ዓፋር ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዘጐዓዘት ኣብቲ ድሕረ ማይታ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ ተንተና ኣስፊሩ።

ቅድሚ ሕጂ ብ1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝጀመረ ውግእ ቀልጢፉ ከም ዝሰፍሓ ዝገለጸ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ድሕሪ ትግራይ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ 2022 ዝምድናዊ ሰላም ምርካባ፡ ኣብ መንጎአን ሰፊሕ ፍልልይ ተፈጢሩ’ሎ ኢሉ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ንትግራይ ኮነ ካለኦት ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣካላት እውን ዘየቕሰን ኩነታት ምዃኑ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካው  ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውግእ ንከምርሓ ጠንቂ ከም ዝኸውን ድማ ብሰፊሑ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ  ሕብርተሰብ ዓለምን ኮነ ኤውሮጳ እቲ ወጥሪ ክንኪ ካብኡ ሓሉፉ  ምሉእ ብምሉእ ንክቋረጽ   ክጽዕቱ ምዃኖም ኣዘኻኪቱ።

እቲ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ውግእ  ከም ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ፡  ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሻቕሎት ከም ዝፈጥርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ከም ዘስዕብን ብምግንዛብ፡ ደው ንከብሎ ከም ዝጽዕር ኣገንዚቡ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ህውከት ወሲኹ፡ ከም ግብጽን ሩሲያን ንዝኣመሰላ  ሃገራት ኢደን ንከእትዋ ኣፍደገ  ከይከፍት ከም ዘስግእ   ተመልኪቱ። ንዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ኤውሮጳ እውን ብደሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዛዕባ ዘሎ ስግኣት ድማ ኣስፊሩ።

እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ  ኣባይን ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያን ብዘለዋ ፍልልይ  ኢራን ድማ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ብዘለዋ ዝምድና ብዝተሓሓዘ ንኤርትራ ክድግፋን ከዕጥቓን ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣቱ ብምሕባር፡ ብመንጽርዚ ኤውሮጳ ነቲ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መሪሕ ግደ ከም ዝህልዋ ጠቒሱ።  ኢጣልያ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዘለዋ ሚዛናዊ ዝምድና ብሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን እናተሓገዘት እቲ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ግደ  ከም ዝህልዋ  ኣመልኪቱ።

Thursday, 17 April 2025 21:51

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 17.04.2025

Written by

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ማዝያ 2025 ን3 ተኸታታሊ መዓልታትት ዝተኻየደ ጉባአ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ሓቢሩ። ናይቲ ሰልፊ ጉባአ “ሰላምን ውሑስ መጻእን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ከም ዝተኻየደ እውን እቲ ኣባላት ጨንፈር ርወይ ሰዲህኤ ብጾት ማህደር ዑቕባዝግን ሙሴ ዓማርን ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ጉባአ 300 ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጹ ጉባአተኛታት ከም ዝነበሩን ካለኦት ብሓላፍነቶምን ናይቲ ሰልፊ ነባር ኣባልነቶምን ዝተሳተፉ ምንባሮም’ውን  እቲ ልኡኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተዓደሙ ወከልቲ ኣጋይሽ ምንባሮም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ ጉባአ ብኣቦመንበር ናይቲ ሰልፍን መራሒ መንግስቲ ናይታ ሃገርን ዮናስ ኮይኑ፡ ኣብቲ መኽፈቲ መደረኡ፡  ኣብዚ ዘይርጉእነትን  ህውከትን  ዝበዝሖ ግዜ ድሕነት ህዝብን ናጽነትን ንምሕላው፡ ጽኑዕ ፖልቲካዊ ምሕደራ የድሊ።” ምባሉ ተሓቢሩ።

ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ምትእትታው ፖሊሲታት ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡  ምስ መሓዙትን ጐረባብትን ሃገራት ከምኡ እውን ምስ ትካል ናቶ ተቐራሪብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡  ንናይ 1940 ተመኩሮ ሃገሩ ብምዝካር፡ ናይታ ሃገር ሓይልታት ፍልልይ ኣለና ብዘይምባል ሓቢርካ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን  ምስላፍ የድሊ ምባሉ ተገሉጹ።

ንማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝምልከቱ ድማ፡ ናይ ሕክምና፡ ደሞዝ፡ ውሕስነት፡ ጡረታ፡ ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ዝምልከቱ መሰላትን ንዝምድና ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ ፖሊሲታት ድሕሪ ምጥቃስ  ብዛዕባ ኣድላይነትን ጐዳእነትን ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ምህርትን ሕክምናን ኣዘኻኺሩ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ተመሃሮ ምዝራቡ እውን ናይቲ ልኡኽ ሰዲህኤ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናብቲ ጉባአ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይቲ መራሕ መንግስትን ሓላፊ ሰልፊ ዕዮን ነርወይ ብዛዕባ፡ ጸዓት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መጐዓዝያ፡  ባህርያዊ ሃብቲ፡ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ውሽጣዊ ድሕንነት፡ ሃብቲ መሬት፡ ክሊማ፡  ቀረጽን  ዝኣመሰሉን ናይታ ሃገር ፖሊሲታት ምድህሳሱ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባአ ካብ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ናይ ኤርትራ፡ ደንማርክ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ፡ ፍልስጥኤም፡ ኩርዲስታን፡ ዒራቕ፡ ነይሮም። ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ’ቶም ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ጐኒንጐኒ እቲ ጉባአ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝገበረን ንመጻኢ ዘቕጽሎ ሌላ ከም ዝገበረን ከኣ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሞደልነት ሃገር ኖርወይ ንዕዱማት ኣጋይሽ መግለጺ ተዋሂቡ።

ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኢትዮጵያዊ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ሓደ ካብቶም መጽሔት ታይም ናይ 2025 ፍሉይታ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ኢሉ ዘስፈሮም ባእታታት ኮይኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። እዚ ኩነታት ዶር ቴድሮስ 2ይ ዙር ትካል ጥዕና ዓለም ክመርሕ ኣብ ዝተመርጾ፡ ከም ኣብ ፖለቲካ፡ ሳይነስ፡ ኣርትን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ጽላታት  ልሉይ ኣብቲ ዝርሑ ልሉይ ኣበርክቶ ከም ዝፈጸመ ዘመልክት እዩ።

እዚ ኣብ መጽሔት ታይም ዝወጽእ ዓመታዊ ዝርዝር ተጽዕኖ ፈጠርቲ ባእታታት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብቲ ዝተዋፈርዎ ንዘበርከትዎ ልሉይ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። ብመንጽርዚ ዶር ቴድሮስ ኣብቲ ዝተመደቦ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ምስፋሕ ቀረብ ሕክምና  ንዘርኣዮ መሪሕነታዊ ብቕዓት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።

ድሕር’ቲ ንዝተዋህበ ኣፍልጦ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምዝርግሑ፡ ዶር ቴድሮስ ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ዝመርሖ ትካል ዘሎ ሰራሕተኛ ዘበርከቶ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ንዓኡ ዝተዋህበ ኣፍልጦ ንኹሎም’ቶም ምስኡ ዝሰርሑ እውን ዝተሃበ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ዶር ላሪ ብሪሊንት ዝተባህለ ኣብ መጽሐት ታይም ዝጽህፍ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ዶር ቴድሮስ ኣብ ኣተኣላልያ ብደሆታት ጥዕና ዓለም መትከላውን ሳይነሳውን ብዝኾኑ ውሳነታት ዝመከተ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ዶር ቴድሮስ ንትካል ጥዕና ዓለም ዝመረሓ ናይ መጀምርያ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ይንገረሉ።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን ትግራዋይ ምዃኑ ዝንገረሉ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 2ይ ዙር ዲረክተር ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኮይኑ፡ ቅድሚኡ  ኣብ መንግስታዊ ጽፍሕታት ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ፡ ሚኒስተር ጥዕናን ወጻኢ ጉዳይን ልሉይ ኣበርክቶ ዝፈጸመ ምዃኑ ይንገረሉ

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ወሲኽካ፡ 10 ኤምባሲታትን 20 ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ። ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ ካብተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ግሪናዳ፡ ሌሰቶ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፡ ሉግዘምበር፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ደቡብ ሱዳን ማልታን ማልዲቨስን ዘለዋ ከም ዝርከበአን ኣፍሊጡ።

ሲኤንኤን ብወገኑ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣመሪካ ረኺበዮ ዝበሎ ሰነድ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ 30 ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን  ናይ ምዕጻው ዕላማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ወጻኢ ዲፕሎማሲያዊ ኣተሃላልዋኣ ክትቅይር ስለ ዝደለየት ክትወስዶ መዲባቶ ዘላ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣመርካ ብዘይካቲ ናይ ምዕጻው መደብ ኣብተን ብጉዳይ ፈጠርቲ ራዕዲ ፍሉይ ቆላሕታ ክትገብረለን ዝጸንሐት ኤንባሲታታ ኣብ ዒራቕን ሶማሊያን ድማ ኣተሃላልዋኣ ክትንኪ ምዃና ጠቒሱ።

እዚ ናይ ምዕጻውን ኣተሃላልዋ ምንካይን እማመ ዝመጽእ ዘሎ ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት መንግስታዊ ኣካላት እውን  ናይ ምጽግጋዕ መደባት ይካየድ ኣብ ዝሃለወሉ ምዃኑ  ሲኤንኤን ብተወሳኺ ጠቒሱ።

እቲ ማዕጻው 5 ኣብ ፈረንሳይ፡ 2 ኣብ ጀርመን 2 ኣብ ቦስኒያ፡ 2 ድማ ኣብ ሄርዞጎቪና ዝርከቡ ቆንስላት ኣመሪካ ከም ዝጠቓልል ከኣ ተሓቢሩ። ናይተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ኣብ ጐረባብተን ሃገራት ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣመሪካ ክወሃብ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እውን እቲ ሲኤንኤን ዝረኸበ እማመ ከም ዘስፈረ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎ ማሕበራዊ መዲያ ተስፋ ነውስ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርዝር ናይተን ዝዕጸዋ ምህላዉ ተኣሚኑ፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ናይ ቲቦር ናጂ ርኢቶ ዝመሳሰል  እዩ ኢልዎ።

ናይ ዞባና ኮነ ኣህጉርና ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ክብን ለጠቕን እናበለ ብቐጻሊ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። ኣብቲ ቀጻሊ ሓጐጽጐጽ በብግዜኡ ዝተፈላለያ ሃገራት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኾና።  እቲ ዝላዓል ዛዕብታት ከኣ እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ይህልዎ። ትሕዝትኡ  ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ወተሃደራዊ ግጭታትን ውግኣትን    ዘስዓቦ ሓደጋታት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ምዕልባጥ መስርሕ ገለ ሃገራት ግዳይ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ግዳይ ክኾና ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ  ኤርትራ ንመጀመርተኣ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጀንዳነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኮይና’ላ።

ሓንቲ ሃገር ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲሙ ስሙ ዝጽዋዕ መሪሕ ተዋሳኢ፡ እቲ ዝመርሓ  ባእታ  ወይ መንግስቲ እዩ። ተሳትፎኡ ከከም ባህሪ ናይቲ ዘመሓድሮ መንግስቲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ህዝቢ እውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያኡ ዝለዓል ኣጀንዳን ምንቅስቓሱን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ነጸብራቕ ተግብራት ናይቲ “ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል  ጉጅለ ህግደፍን ናይ ዜና ማዕከናቱ “ሃበስቀደስን” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ብሰንኪ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ፡ ግደኡ ዝተደረተ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ “ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ከየጋጥም የስግእ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢኸ  ነቲ ኩነታት ከመይ ይርእዮ’ሎ”  ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ድምጺ ህዝቢ ክስመዓሎም ዝነበሮ ተረኽቦታት፡ ብዛዕባ ግደኡ ተሓቲቱስ፡ ዘዕግብ ምላሽ ዘይነበሮ ምዃኑ ስለ ዝዝከር፡ ሎሚ ንእጃም ህዝቢ ኤርትራ ብዝምከት ብዙሕ ዝለዓል ከምዘይኮነ፡ ዘንጸባርቑ ወሃብቲ ርኢቶ ብዙሓት እዮም። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ሎሚ  “ስለምንታይ  ኣብ ከምዚ ወዲቐን ተናዒቐን?” ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ንክሓትት ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ኣጀንዳ እትኸውን ዘላ ሃገሩ፡ ብናቱ መሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝመጸት ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን መሬታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እውን ንዕኡ ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ህግደፍ ክመጽ ናይ ዝኽእል ውግእ ናይ ህይወት ኮነ ንብረት ዋጋ ዝኽፍሎ ንሱ ምዃኑ እውን ኣብ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ ኣገዳሲ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተበጽሐ ውዕላት፡ ኣብ ኣልጀርስ እውን ዝተኸተመ ስምምዕን  ዝተበየነ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ይመልከት” ኢሉ ኣትሪሩ ዘይምሓዙ ክጥዓስን ካብኡ ተማሂሩ ዋና ናይዚቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና።

ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ተበሃግን ተሃዋስን እዩ። ኣብዚ ዞባ እትርከብ ሃገር ነቲ ተበሃግነት ብዝምጥን ውሕሉል መንግስቲ ክትምራሕ እንከላ ጸጋኣ ዕዙዝ እዩ። ብኣንጻሩ  ንዓኣ ብዘይምጥን ሃላሊ ክትመሓደር እንከላ ከኣ ተጠቃምነታ ተሪፉ ጸላእቲ እትዕድም ግዳይ እያ ትኸውን። ንኤርትራ ክገጥማ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ብጸጋታታ ተጠቃሚት ዘይምዃን ከኣ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስጋኢ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ምውጣጥ፡ ኣብ ርእሲቲ ህንጡይነት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ኤርትራ ንምምራሕ ዘይምጥን ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣሉታዊ ግደ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ’ዩ።

ትማሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብዝፈጠሮ እሞ ዕድሚኡ ዝሓጽር ዘሎ  ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ንምጽብባቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድረኻት፡“ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን፡ ክልተ ህዝብታት እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ዕላማ ዝምድናና ኢትዮጵያ ከይትበታተን ምሕላው እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ደጊም ኣብይ ኣሕመድ ኢኻ ትመርሓና………. ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰመዖ ኤርትራዊ የለን። “ኣይፋልካን ዓሪ ደኣ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ዲክታተር ንምስናይ ምስ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም፡ “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይስዕር (ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል) …….” ዝበሉ  ኤርትራውያን  ወገናት፡ ሎሚ እንተኾነ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕልናኦም “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም እንተዘይ ተናሲሖም፡ ከም ሰብ ካብ ምሕሳብ’ውን በዂሮም ዘለዉ እዮም።

ኣብ ኣልጀዚራ፡ ዘኢኮነሚስት፡ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕን ካለኦት  ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን፡  ብዙሓት ብዛዕባ ውግእን ወጥርን ተመኩሮን ኣፍልጦን ዘለዎም ፖለቲከኛታት “መን ይጅምሮ ብዘየገድስ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምብርዑ ከም ዘይተርፍ የተንብሁ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ዝቐደመ ንብዓቱ ከይደረቐ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ውግእ፡ ብስሩዕ ዝሕብሮን ዘጠንቅቖን መንግስቲ የብሉን። ነቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ተዓዚቡ ካብ ምስጋእ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። “ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ቱርኲ ሱዕድያ፡ ኤመረት” ዝኣመሰሉ ኣስማት ሃገራት እናጸውዐ፡ “ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ደኾን  የዕግሱልና?” ኢሉ ተስፋ ዘሕድር  ከኣ ውሑድ ኣይኮነን።

እዘን ሃገራት ነቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት “ከዕግሱልካ” ምጽባይ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚት ዝስራዕን ወሳንን ግና “ኣብቲ ጉዳየይ፡ ኣለኹ ባዕለይ?” ምባልን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጉዳያት ከይተበላሸወ ድምጹ ዘይምስማዕ፡ ብኣንጻሩ መዳመቒ ብምዃን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝዝክሮ የለን። ስለዚ ነቲ “ናይ ውግእ ውሉፍ” ህግደፍ ብዝመልመሎም  ዘይሓላፍነታውያን ኣቢሉ ዝድስቖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምድማቕ፡ ከሎ ጌና፡ “ስለምንታይ?፡ ብዘይካ ውግእከ ካልእ መፍትሒ የለን ድዩ?፡ ከም ህዝብን ሃገርንከ ኣየናይ ኣገባብ’ዩ ዘዋጸኣና?”  ኢሉ ክሓትት፡ መልሲ ክረኽበሎምን ብእኡ መሰረት ክንቀሳቐስን  ይግበኦ።

ሩሲያ ኮነ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኮነ ኢራን፡ እስራኤል ኮነ ፍልስጤም ክለዓላ እንከለዋ፡ “እሞ እቲ ህዝበንከ ከመይ ይርእዮ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝለዓል እዩ።  ስለዚ ኣብዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ፕርፖጋንዳዊ ኩርባባን ሕድሕድ ምንእኣስን” ዝሓየለሉ እዋን “ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራኸ ከመይ  ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ርዱእ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝኸውን ብሱል መልሲ ንምሃብን መዋጽኦ ንምእማትን፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነኸ ኣብቲ ጉዳየይ?” ንዝብል ብግቡእ ከቕልበሉ እነዘኻኽሮ።

Page 5 of 601