እነሆ “2025 ዛዚምና ናብ 2026 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2026ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ንብል።
እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት፡ ጉዕዞኣ እትጅምረሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ቀጻሊ እዩ። ወዮ ምስቲ ዘዝመጸ ናይ ግዜ ምቕይያር ስለ ዘይንስጉምን ኣብ እዋኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ስለ ዘይነተግብርን እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል፡ ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ፡ ምናልባት ንናትካ ድኽመት ንምሽፋን እውን፡ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን የጋጥም።
ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ ዓመት መጸት ነቲ ዝጽበየና ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ስለ ዘይበቓዕናዮ፡ “መጻኢ ይቕደወና” ኢልና ኢና ነፋንዋ። እቲ ምቕዳውን ዘይምቕዳውን ግና ካብቶም ተውሳእቲ እምበር፡ ካብቲ ወትሩ ዘይቕየር ሰሙናትን ኣዋርሕን ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብተፈጥሮ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ህያብ ዘይምብኻን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ዕማም ኣለወን። ንሱ ድማ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮዶ ንተግህ ወይ ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ።
ኣብ ዓመተ 2025፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደፍ ዝሸጡን ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብዘይፍለ፡ “ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ዝኽእል’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ፡ ንመጻኢ’ውን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2026’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን፡ ክንቅረበሉ ዝግበኣና’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብናን ሃገርናን ዝኸበደ መዘዝ ዘስዕብ ስለዝኾነ። ምእንት’ዚ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ንምምላስ፡ ክንጸባበ እነባኽኖ ግዜ ተመሊሱ ስለ ዝሃስየና፡ ነቲ “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ምሳልያዊ ብሂል ክንመሃረሉ ይግባእ።
ህገደፍ ሎሚኸ ካብ ዝሓለፈ ተመኩረኡ ተማሂሩ ደኾን፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ካብ ምውቃዕ ይእደብ ይኸውን?” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ሕቶ ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ኢሳያስ ብዘይውግእን ህውከትን ስለዘይነብር፡ ካብ ምንዳይ ህውከት ዝዕገስ ኣይኮነን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ግምት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ነይሮም’ዮም። ብግብሪ ከኣ፡ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ “ምስ ፋኖ ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይን ኦሮሞን” ሕግብግብ ይብል ከምዘሎ፡ መዛረቢ ብዙሓት መዲያታት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኢዱ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብ ምብላሕ ወጥሪ ግብጽን ኢትዮጵያን’ውን ከምኡ።
ካብ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ዘይርጉእ ኣካይዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ዝያዳ ይውጠር ከም ዘሎ ንዕዘቦን ንቃለሶን ዘለና እዩ። ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ኣህጉራውን ዞባውን ትካላትን ከይተረፉ፡ ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመተ-2026 ናብ ውግእ ገጹ ከይምዕብል ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ። ነዓና ነቶም ሰብ ጉዳይ ከኣ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ዝያዳ ዘሻቕለናን ብትኹረት እንከታተሎን ክኸውን እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ 2026 ካብ 2025 ኣትወርሶ ዘላ ዘይተፈትሐ ሽግራት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን፡ ሶማልያን ንኤርትራን ህዝባን ብዝጸሉ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘሻቕል እዩ። ስለዚ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ስግኣት ውግእ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ብሓባር ከተኩርሉ ዝግበኦም’ዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ ኩነታት ዩኩረይንን ሩስያን፡ ፍልስጥኤምን እስራኤልን፡ ኢራንን እስራኤልን ከምኡ’ውን ምምሕዳር ሮላንድ ትራምፕ ዝፍትኖ ዘሎ ዶብ ሰገር ናይ ምስፍሕፋሕ ወስታታትን፡ ካለኦትን ኣብ 2025 ኣሻቐልቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ኩርነዓት እዮም። ኣብ 2026 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ድማ ዓለምና ብስግኣት እትጽበዮም ዘላ እዮም። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራ ዝጸንሑ ስደተኛታት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ትፈጥሮ ዘላ ስንባደ’ውን ኣብ 2026 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ እዩ።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ምስ መላእ ህዝብና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎ ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ስለዚ ካብዚ ድኽመት’ዚ ንምውጻእ ብፍላይ ከም ፖሓኤ ጀሚርናዮ ዘለና ጻዕሪ ምድልዳልን ምስፋሕን ኣብ 2026 ካብ ዝጽበዩና ዕማማት ክኸውን እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳልን ምስፋሕን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2026 ኣጀንዳታቱ ሓደ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።
ሚእትን ሰለስተን (103)፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን መንእሰያትን 5 መሰጋገርቶምን መራሕ መኪናን ምስታ ዝጐዓዚላ ዝነበሩ ሲኒትራክ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ወረዳ ሓመር ከም ዝተኣስሩ ኮሚሽነር ጌታነህ ወልደሃና ዝባህለ፡ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብ27 ታሕሳስ 2025 ኣፍሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ዕላመኦም ናብ ኬንያ ምስጋርን ድሕሪኡ ብኡጋንዳ ኣቢልካ ምቕጻልን ምንባሩ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉን ካብቲ ቦታ ጉዳዮም ድሕሪ ምጽራዩ ናብ ኤርትራ ከይስጐጉ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኤርትራውያን ካብ ትግራይ ብዝጅምር ኣሸሓት ዶላራት ዘኽፍል መርበብ፡ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያ ክሰግሩ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዕንቅፋታትን ማእሰርትን እኳ ዘጋጥሞም እንተኾነ፡ ብስንክቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት፡ በዚ ዘውሑስ ኣቕጣጫ ዘካይድዎ ጉዕዞ ቀጻሊ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ازمة العمل التنظيمي : جذور المعضلة و سبل الحل
Written by Eritrea Al-Touqقضية الاظمةا لتنظيمية في مؤسساتنا السياسية ومنظمات المجتمع المدني ـ أزمة ليست جديدة لكنها مستمرة , وتؤثر على قدرتنا في بناء عمل وطني وفعال.
بالرغم من نجاحنا مرارا في عقد مؤتمرات واسعة, وتشكيل تحالفات, وكتابة أنظمة سياسية متقنة الا ان المشكلة تبداء بعد هذه النجاجات مباشرة . فالالتزام بما تم الاتفاق عليه يكون ضعيفا وتبدأ الخلافات وتتوقف المشاريع , واحيانا يتشظى الجسم الكبير الى مجموعات أصغر.
هذه الظاهرة لها اسباب عديدة منها : ضعف التربية التنظيمية التي تعلم الانضباط واحترام القوانين المتفق عليها فضلا عن اللوائح والنظام الاساسي , بلاضافة الي غياب الثقة , وفي حالة تحالف التنظيمات تغليب مصالح التنظيم على حساب مصالح التحالف, مع تأثيرات بيئة الشتات التي تزيد التباينات في الرؤى والاساليب.
استمرار هذا الوضع لا يضعف التنظيمات فقط بل يعرقل عمل المقاومة كله , ويسهم هذا العمل في اعادة احياء نظام الهقدف المتوفي سريريا منذ أمد بعيد.
ولان التشخيص نصف العلاج الطريق للخروج من هذه الدائرة والحلول موجودة اذا توفرت الارادة , و من بين هذه الحلول :
. تعزيز ثقافة الالتزام المؤسسي والاحتكام الى اللوائح
. انشاء اجسام رقابية تعالج الاخطاء مبكرا
. معالجة الخلاف داخليا بدل الانشقاق
. وبناء التحالفات خطوة خطوة على أساس تجارب نجاحة مشتركة لا على المنيات.
أن الازمة التنظيمية التي نعاني منها ليست قدرا مكتوبا وانما داء يمكن علاجه. ومتى ما تحولت المؤتمرات من حدث شكلي الى ممارسات ومتى ما اصبحت اللوائح اقوى من اي اعتبار اخر بتأكيد سنرى عمل ارتري موحد , قوي قادر على حمل امال شعبنا في التغيير.
ባህግና Eri-Bahgna Media 28.12.2025 ፍልልያትናስ ነቀራርብ ዳአ፤ ምፍጣጥ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓንገልቶምን
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
እስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ብምሃበ ቀዳመይቲ ካብ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። እዚ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሶማሊላንድ “ስምምዕ ኣብረሃም” ዝብል ውዕል ተቐቢላ ክትግብር ቅርብቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝኽተመኦ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። በቲ ውዕል መሰረት ሶማሊላንድ ካብ ጋዛ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ መሓዝኡ ፕረሲደንት እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብተለፎን ከም ዝተዛረበ ድማ ተሓቢሩ።
ናታንያሁ ሃገሩ ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ዝጸንሓ ትጽቢታ፡ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ዝተኸተመ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከም እትትግብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ኣፍልጦ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ ስጉምቲ ነቲ ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ተፈልያ “ናጻ ሃገር እየ” ኢላ ክነሳ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይረኸበት ዝጸንሓቶ ኣፍደገ ዝኸፍ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተለ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ መቃድሾ ከኣ ነቲ ኩነታት ንምምዛንን መርገጹ ንምግላጽን ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪቲ ውሳነ ናብ ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደል ራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ደዊሉ፡ “እንኳዕ ኣሕጐሰካ” ድሕሪ ምባል፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንከተስፍን ዘለዎ እምነት ገሊጽሉ። ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ብወገኑ እቲ ስምምዕን ኣፍልጦን ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተን ክልቲኦም መራሕቲ ምውሳኖምን፡ ኣብ ስምምዕ ምኽፋት ኢምባሲታትን ምልውዋጥ ኣንበሳድራትን ዝተበጽሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብወገኑ ሃገሩ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከተተግብር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ግብጺ፡ ቱርክን ጅቡትን ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ፡ ንሳ ኣፍልጦ ክትሃብ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ገምገም ባሕሪ ንክትህባ ዝእምት መሰማምዒ እማመ ብምኽታም ቀዳመይቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ክትከውንያ ዝብል ግምት ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓሳቡ ቀይሩ ብመንጎኝነት ቱርኪ ምስ መቃድሾ ስለ ዝተዓርቀ ኣይቀጸሎን።
መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛ ናይ ምምላስ ተግባር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጦም። ናይዚ ጠንቂ ብሰንኪ ብእዋኑ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። በዚ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ መግቢ፡ ማይን ሕክምናን ምቕራብ ኣይተኻእለን ተባሂሉ። ነዚ ጸገም ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።
ናብታ ብዝሒ ምዕቋብ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክውሕዙ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግርጭታትን ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ምዃኖም ድማ እቶም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። እተን ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ነገራት ዘቕርባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣቕርቦተን ኣብ 2025 ብ70% ከም ዝነከያ ተጠቒሱ።
ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሃገራ እቶም ስደተኛታት ንክዕቆቡ ዕድል ምሃብ እምበር፡ መሰረታዊ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘየብላን ሕብረተሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎን ምፍላጣ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ወይዘሮ ኣሲሳቶው ንድየ በወገና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ጉዳይ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት “ሕቶ ስደተኛታት ምምላስ ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ኣብ ቀረባ ግዜ ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ኩነት ኢና ዘለና” ኢላ። ናይቲ ጸገም ስፍሓት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ 40% ከጉድል ከም ዝተገደደ ሓቢራ።
ዝልታን ሚሊሲክ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ በቲ ዘለዎ ዝተሓተ ደረጃ ንምቕጻል ንመጻኢ 6 ኣዋርሕ 90 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮም ጠቒሱ፡ እዚ እንተዘይተረኺቡ ግና ኣብ መጻኢ ኣዋርሕ ኣገልግለቶም ምሉእብምሉእ ከቋርጹ ከም ዝግደዱ ኣፍሊጡ።
በዚ ኩነታት ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ግዳያት ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ከባቢ ዳባት-ጎንደር ዘተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።
إرتريا- التوق للإنتاج الإعلامي 25.12.2025
Written by Eritrea- Al Touqበቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ነበርቲ ጋምቤላ ኣብ ኣደባባይ
ሓካይም ብዘይዶብ (MSF)፡ ዝተባህለ ትካል ተራድኦ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄራት ኑዌርን ኣኝዋክን ብዝተወለዐ ሓያል ውግእ፡ ብ24 ታሕሳስ 2025 ጥራይ 47 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 100 ብጥይት ዝቖሰሉ ሰባት ከም ዝሓከመን ኣፍሊጡ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም ብ24 ታሕሳስ 2025 ታርፓም ኣብ ዝበሃል ንኡስ ዞባ፡ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ 47 ሰባት ምቕታሎም ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣረጋጊጸሙላ። ሓደ ናይ ጥዕና ክኢላ ብወገኑ እቲ ኣሃዝ ኣፈናዊ እዩ ኢሉ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ከየፍለጡ ኣብ ከባቢኦም ዝተቐበሩ ግዳያት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ መንገድታት ስለ ዝተዓጽወ፡ ግዳያት ናይቲ ውግእ ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ናብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ክመጹ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጦም። ዝተወሰኑ ቁሱላት ግና ኣብ ጥቓ መደበር ስደተኛታት ኩለ ናብ ዘሎ ማእከል ጥዕና ሓካይም ብዘይዶብ ምውሳድ ከም ዝተኻእለ ሓቢሮም። እንተኾነ እዚ ማእከል ጥዕና እውን ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ ውሕስነት የብሉን ኢሎም።
ሓካይም ብዘይዶብ፡ እቲ ውግእ ብ17 ታሕሳስ 2025 ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ናይታ ክልል ድሕሪ ምቕታሉ ከም ዝጀመረ ጠቒሱ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ስለ ዝኸደ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝቕበሎም ዝነበረ ቁስላት ብኣኡ ደረጃ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ዝሓደሮ ስግኣት ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣብ 24 ሰዓታት ዝተረከቦም 100 ቁሱላት ናይቶም 19 መውቃዕቲ ከቢድ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ 7 መዓልታት 150 ቁሱላት ተረኪቡ ከም ዝሓከመ ከኣ ኣፍሊጡ።
ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ እቲ ውግእ ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ናብቲ ክልል ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝኣተወን ኣብታ ክልል ካብ ሰዓት 8 ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ዝጸንሕ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ ክትግበር ከምዝጀመረ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይዕግበት ዝንጸባረቕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ጋምቤላን ከኣ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።
More...
ግብጺ ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ዓደን ዝርከባ ወደባት፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ዶራለህ ናይ ጅቡትን ዓቕመን ናይ ምዕባይ መደብ ከም ዘለዋ፡ ዘናሽናል (the national) ዝተባህለት ጋዜጣ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይቲ ህንጸት ዓላማ ናይ ግብጺ መራክብ ውግእ ኣብቲ ከባቢ ምስ ውሱን ግና ድማ ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት እተንቀሳቕሰሉ ኩነታት ንምፍጣር እውን እዩ።
ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ እታ ዝኾነ ንብረት ንምንቅስቓስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከም እትምርኮስ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ግብጺ ድማ ናታ ልዕሊ 2 ሺሕ ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ግብጺ ንቀይሕ ባሕርን ባሕሪ መዲተራንያንን ዘራኽብ ወሽመጥ ሲናይ እትውንን ሃገር እያ።
ግብጺ ኣብቲ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገር ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከይህልወን ብትሪ ክትቃወም ዝጸንሐትን ዘላን እያ። እቲ ስምምዕ፡ ምስ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወቂ ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ምስ ጅቡቲ ድማ ዝለዓለ ልኡኽ ናይታ ሃገር ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጸሓሉ ዝተኸተሙ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ካብዚ ብዘይፍለ ግብጺ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ድልዱል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዝምድና ብምፍጣር፡ ናይ ትሕቲ ባሕርን ሄሊኮፕተራት ዝስከማን መራክባ ሓዊስካ፡ ሓይልታታ ዝንቀሳቐስሉ ኣብ ክልቲአን ወደባት ትሕተ-ቅርጻ ናይ ምህናጽ መደብ ኣለዋ። ብፍላይ እቲ ምስ ጅቡቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብታ ድሕሪ 1993 ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዘምርሕ መስመር መንገዲ ዶራለህ ኣብ ምህናጽ ክትሳተፍ እያ።
ቀረናኩዶ
ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ነበርቲ ቀረናኩዶ እትበሃለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ህግደፍ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ቤተሰቦም ዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ሓቢሮም። ቅድሚቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ዓዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መልሻ ናይቲ ስርዓት፡ ንሓደ ያፌት የማነ ገብረማርያም ዝተባህለ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ ገረብ ቆሪጽካ ፈሓም ኣፍሒምካ ብዝብል ክኣስርዎ ምስ ደለዩ ስለ ዘይተማእዘዘሎ ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ብጥይት ቀተልዎ።
ነባሮ እታ ዓዲ ብወገኖም ብመቕተልቲ ናይቲ መንእሰይ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። እቶም በቲ ተቓውሞ ዝረዓዱ ነቲ መንእሰይ ዝቐተሉ ኣባላት መልሻ ድማ ተወሳኺ ሰራዊት ብምጽዋዕ፡ ኣቦን ሓውን ናይቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ወሲኽካ ኣስታት 450፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩ እዩ ተሓቢሩ።
እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ቀረናዶ ጠጠው ከምዘይበለን እቲ ሰራዊት ኣብታ ዓዲ ሰፊሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ጉደቦ ቀረና ኩዶ ዝኾና ዓድታት ዴዳን ሓበላን እውን ኣብ ስግኣት ከም ዘለዋ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። እቲ እዚ ዝተጠቕሰ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ካብቲ ኢሳያስ ሰፊሩሉ ዘሎ ዓዲ ሃሎ ርሑቕ ኣይኮነን።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ውግእ ሱዳን ናብ ጐረባብቲ ከይልሕም ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውግእ ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ፡ ኢትዮጵያን ናብ እትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ከይልሕምን ከይሰፍሕን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ስግኣት ካብ ዘሕደረሉ እቲ ብኣቕረብቲ ሃገራትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ናብ ሱዳን ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ነዚ ዝገለጸ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ ፖለቲካን ህንጸትን፡ ካለድ ኪያለድ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መብርሂ እዩ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣተሓሒዘ ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ሱዳን ናብ ከባቢ ኮርዶፋን ሰፊሑ፡ እቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ1 ታሕሳስ ከተማታት ባኑሳን ሄግሊግን ብ8 ታሕሳስ 2025 ከኣ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ ኮርዶፋን ድሕሪ ምሓዙ ምዃኑ ተጠቒሱ። ከም ኣብነት ናይቲ ውግእ ናብ ዶባት ምስፍሕ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ይፈጥሩ ምህላዎም መርኣያ እዩ ኢሉ።
ሓደ ነቲ ኩነታት ብግሊ ዝተንተኖ ክኢላ ብወገኑ ንውግእ ሱዳን ዘስፈሖ ዘሎ ዶባት ጥሒሱ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋርን ገንዘብን ከምኡ እውን ነዊሕ ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ መርበባትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ መርበብ ቻድ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣለዋ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን ይብል። ኣጽዋር ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ መንገዲ ከመይ ከም ዝመስል ክሕብር እንከሎ ድማ ቻድ፡ ሊቢያ፡ ሩፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፑትላንድን ደቡብ ሱዳንን ጠቒስወን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት፡ ሆስፒታላት፡ መኸዘኒ ንብረት ሕቡራት ሃገራትን ህጻናትን ዝፈጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ኢልዎ። ኣብ ከባቢ ኣብየይ 6 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊ ምቕታሎም እውን ካብቲ ዘሻቕሊ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ እቲ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣልጀዚራ ብ11 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜናዊ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ሱዳን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ሓድሽ ግንባር ውግእ ክኸፍት ይዳሎ’ሎ ዝብል ሓበሬታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ንምሕጋዝ ኣብ መሬታ ከባቢ ቤንሻንጉል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ምኽፋታ ምዃኑ ኣልጀዚራ ብተወሳኺ ሓቢራ። እዚ ኩነታት ውግእ ሱዳን ኤርትራ እውን ናይቲ ዝለሓም ዘሎ ውግእ ግዳይ ከይትኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።
ብ1941 ተሃኒጹ ካብ 1947 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝገልግል ዘሎ ህንጻ
ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ 30 ኣብ ዝተፈላለቱ ኢምባሲታት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክኢላታት፡ ብህጹጽ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝጸውዐ፡ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ብምጥቃስ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ። እቶም ዝተጸውዑ ኣንበሳድራትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሓላፍነት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዲፕሎማትን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ነዞም ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባይደን ዝተመደቡ ዝጽውዖም ዘሎ፡ ንዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ ናይታ ሃገር ምስቲ “ቀዳምነት ንኣሜሪካ” ዝብል ፖሊሲኡ ንምጥዕዓም ምዃኑ ተሓቢሩ። እቶም ብዘይተለምደ ኣገባብ ብተለፎን ከይተረፈ ዝተጸውዑ ዲፕሎማት ጠቕሊሎም ዝስጐጉ ዘይኮኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ካልእ ስራሕ ክድለየሎም እዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝርዝር ናይቶም ተጸዊዖም ዘለዉ ዲፕሎማት’ኳ እንተዘይገለጸ፡ እቶም 15 ካብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡሎ። ካብቶም 15 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሑ ከኣ ኣንበሳድራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሶማሊያ፡ ጅቡቲ፡ ናጀርያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዙምባበ፡ ሩዋንዳን ኮትዲቩዋርን ከም ዝርከብዎም ተፈሉጡ።
ብዛዕባቲ ምጽወዖምን መዓስ ከም ዝትክኡን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተዋህበ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቲ ምቅይያር ብፍላይ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ እትንቀሳቐሰሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ዝግመት ኮይኑ፡ ኣብ ናጀርያን ግብጽን ናይ ዝነበሩ ኣንበሳድራት ምጽዋዕ ከኣ ምስቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሀን ጥቡቕ ርክብ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ስጉምቲ ንኣሜሪካ ናበይ ከም ዝወስዳ ኣይፍለጥን እዩ ዝበለ ሓደ ተዓዛቢ፡ ብዓለም ደረጃ ኣንበሳደር ኣሜሪካ ዘየብለን ሃገራት ይበዝሓ ኣለዋ ኢሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም፡ ከም ቻይናን ሩሲያን ዝኣመሰላ መወዳድርቲ ኣሜሪካ ነቲ ሃጓፍ ተጠቒመን ክብለጻሉ እየን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም።