“ጽምዶ” ሰፊሕ ትርጉም ዘለዋ ቃል ኮይና፡  ብፍላይ ኣብ ሕርሻዊ መስርሕ ነባር ባህላዊ ትርጉም ኣለዋ፡ መልእኽታ በበይኖም ከድምዑ ዘይክእሉ ኣካላት ተላፊኖም ንክወፍሩ እተኽእል መራኸቢት እያ። ጽምዶ ንምዕሩይ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ናይቶም ተጻመድቲ ከም እትውዕል ንምግባራ ድማ  ምስትውዓልን ምትሕልላይን ይሓትት። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ትርጉም መድረኽ ሒዛ’ላ

ኣብ ሕብረተሰብና ብሓደ ኢድካ ከምዘይጣቓዕ፡ ብቓንጃ ብዕራይ’ውን ስለ ዘይሕረስ፡ ሓደ ብዕራይ ዝውንን ተመሳሳሊ ኩነታት ምስ  ዘለዎ ተራኺቡ  ምጽማድ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ።  ኣብዑር ኣላፊንካ ምጽማድ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ ዕርፊ ጨቢጡ ነቶም ዝተጸምዱ ዝሓርሶም ሓረስታይ እዩ። እቲ ሓረስታይ፡ ተበላጺ፡ ተንኮለኛን ስሱዕን እንተኾይኑ፡ እቲ ጽምዶ ይዳኸም ወይ ይፈርስ፡  እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ እቶት’ውን ኣይሕፈስን።  በዚ መሰረት ጽምዶ  ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ክስተት ዘይኮነ፡  ዕላማኡን ቀጻልነቱን እንታይን ከመይን እዩ? ናይቶም ተጻመድቲ ዓቕሚኸ ክሳብ ክንደ እዩ  ዝመጣጠን? ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ኣብቶም ተጻመድቲ ምምጥጣን እንተዘየልዩ ግና ምግድዳዕን ምጥልላምን የስዕብ። እቲ ርክብ፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛን ብቕዓትን ብዘለዎም ስለ ዝዝወር ንተጻመድቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብዶም ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንሳቶም ብዝኣጐድዎ ውግኣት፡ ህይወት ኣእላፍ ዘጥፍኡን እልቢ  ንብረት ዘዕነዉን ውድባት ህግደፍን ህወሓትን ሎሚ ከኣ፡ ብመጉላሕቶም ኣቢሎም “ጽምዶ ንፈጥር ኣለና”  ዝብል ጽዑቕ ዘይቀጥታዊ ዜናታት ይዝርግሑ’ለዉ። ቅድሚ ሕጂ ክስራሕ ክፈርስን ዝጸንሐ  ናይ ጉርሒ ዝምድናኦም’ውን፡ ዋላ ዝተፈላለየ ኣስማት ይወሃብዎ ብትሕዝቶኡ ካብዚ  ሎሚ ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ጽምዶ ዝፍለ ኣይነበረን። ሃናጺ ኣይነብረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን ካብ ዝበሃለሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ “ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይተሳተፎን” ምንባሩን ብምዃኑን እዩ። ብመሰረቱ’ውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝግበር ርክብ፡ “ጽምዶ ክባሃል ይካኣል ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። እቲ ካልእ  ኢንታኡ ከኣ ወትሩ ተዘራሪኻ ንግዝያዊ ህልውና ናብ ውግእ ምእታው እንተዘይኮኑ፡ ዋላ ንይምሰል ምእንቲ  ንሰላም ዝሰብኽ ዘይምዃኑ’ዩ። 

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ዚ ናይ ጽምዶ ሸበድበድ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣዝዩ በሊሕ ፍልልይን ምትህልላኽን ይፍጠር ኣሎ። እቲ ፍልልይ ብዙሓት መልከዓት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕድ ደገፍቲ ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ……ወዘተ እናበልካ፡ ነዊሕ ዝዝርዘር ኣለዎ። ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኣ ኣዝዩ ዘተፋንን ዘሎ እዩ። እቲ ናይ 2018 ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ዘይተጽበዮ ዘየረዳድእ ኣጀንዳ ዘእተዎ ከይድገም ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እምበኣር፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ብሰንኪዚ  ዝእለም ዘሎ መጻወድያ፡  መሰረታዊ ተልእኮኡ ከይስሕት   ከስተውዕል ይግበኦ።

 ናይዚ ጽምዶ እናተባህለ ዝፍጠር ዘሎ ሸበድበድ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ከባብና ናህሩ ዝውስኽ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ከምቲ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሰነይት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይርጉእ ኩነታት ዞባና፡ ክድህስሱ እንከለዉ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ሓያል ምውጣት ተጸሚዶም ኣለዉ” ዝበልዎ፡  “ንህልዊ ኩነታት  ትግራይ መን መዝመዘ” ኣብ ዝብል፡ ሓያል ምውጣጥ ይካየድ ኣሎ። ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ትግራይ ነዞም ዝዋጠጡ ዘለዉ ዝተቓለዐ ምዃኑ ከኣ፡ ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ።  ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባዚ  ከቢድን ዝተሓላለኸን ክስተት ተጠንቂቑ ክውስን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። 

ነዚ ናይ ኣሰላልፋ ምግልባጥ፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”  ዝበሃል፡ ተዓዛባይ ጥራይ ኮንካ “ድላዮም ይግበሩ” ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ብትሪ “ዓገብ” ክትብሎ ዘገድድ ኮይኑ’ሎ። ምኽንያቱ ናይዚ  መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ “እንዶ ዘየብሉ ጽምዶ ” ሳዕቤንን ዕዳን ዝኸፍሎ እቲ መንቀሊኡ ኮነ መዓርፍኡ ዘይፈልጦ ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝኸውን።

ኣብ ምግጣም እዚ ዝረአ ዘሎ በሎበሎ፡  ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን  መሪሕ ግደ ክጻወቱ ዝግበኦም ምዃኖም፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎም ተረድኦ ምዝኽኻሮም እዋናዊ እዩ። እንተቲ “ክልቲኡ ጐረባብቲ ህዝብታት ደላይ ሰላምን ስኒትን’ዩ” ዝበሃል ግና፡ ርዱእን ክንሰርሓሉ ዝጸናሕናን እምበር፡ ናይዚ ልኡላውነት ዘይንታዩን ፍኑውን ኣካይዳ ሓድሽ መጸዋዕታ ንጽበየሉ ኣይኮነን። ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ጉባአኡ ኣብ ዘጽደቖ መደብ ዕዮኡ፡  “… ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ እንገብሮ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ፣ ስኒትን ሰላምን ዝመለለይኡ ናይ ከባቢና ዕብየትን ርግኣትን ዘስፍን ፖሊሲ ከምንኽተል ንምርግጋጽ ጻዕርታት ክግበር ኢዩ” ዝብል፡ ሓሳብ ምስፋሩ ከኣ ንማዕርነታዊ ዝምድና ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ዘለዎ ተገዳስነት  ዘርኢ እዩ።

ተጋሩ ይኹኑ ካለኦት ምስ ህግደፍ ዝጻመዱ ወገናት፡ ነታ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንኻልእ ህዝብን መጻምድትን ክሓሊ ኣይክእልን እዩ” እትብል መልእኽቲ ክዝንግዕዋ ኣይግበኦምን። ሓንቲ ባህሪ ህግደፍ ዝተረደአት ኢትዮጵያዊት፡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ጽምዶ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ “ህግደፍሲ ቅድሚ ብባጽዕ ኣፍደገ ከፊቱ፡ ንተጋሩ ስርናይ ካብ ከናዳ  ምምጺኡ ምልጋሱ፡ ቅድም እስኪ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ፍትሒ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ዲሞክራስን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ ሂቡ ልግሱ የርእየና” ክትብል ተሰሚዓ። ንሕና ከኣ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ካልእ መዛምድቲ  ንምርካብ ሃንደፍደፍ ምባሉ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዶ ንቡር ዝምድና  ፍጠር” ኢና እንብሎ። 

“ከምቲ ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ዕብዳን” ዝበሃል፡ ውድብነቱ  ብምስራዙ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ህወሓት፡  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ዶ ይመሃር ወይ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ይጽመድ? ባዕሉ ክምልሶ ዘለዎ’ዩ። ገለ ተጋሩ ንህግደፍ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ” ገይሮም፡ ንዓኡ ምእንቲ ከሕጉሱ፡  ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ከጸልሙን ናይ ትግራይ ሃገርነት ኣፍልጦ ካብ ህግደፍ ክጽበዩን ይስምዑ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ንህግደፍ ክሳብ ክንደይ ይረግሞ ነይሩ? ሎሚኸ?”  ዝብሉ ምምዛን’ውን ንዓኡ ይምልከት።

እንተ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ብተደጋጋሚ ግዳይ ዝኾነን ዝኸውን ዘሎን ብምዃኑ፡ ቃልሱ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እምበር፡ በቲ ካበይ መጺኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፈልጦ ጽምዶ ኣይክጥበርን እዩ።    

May 24, 2025, marks the 34th year since our country attained its sovereignty. Thousands of patriotic Eritreans wished to see this precious day but were not fortunate enough to witness it. Hundreds of thousands sacrificed their precious lives for the independence and freedom of our people. Thanks to their noble sacrifice, our country Eritrea has had its sovereignty recognized and has become a member of the United Nations. On this occasion, I extend congratulations to all our people, both at home and abroad.

However, because our country has fallen under a dictatorial regime, our people's rights have been violated, their freedoms stripped, and through indefinite, unpaid national service, their youth's potential has been extinguished, and it has become their fate to live a life of servitude. With one radio, one TV, one newspaper, and "Network 03," the dictatorial regime has been spreading confusing false information, numbing the minds of the people, and has been and continues to exploit our country's resources, and primarily our people, at its whim. The question that needs an answer is: How did we fall into this situation? And how can we overthrow the dictatorship and become free?

The Eritrean People's Liberation Front (later the People's Front for Democracy and Justice - PFDJ), which took control of Eritrea promising to establish constitutional governance allowing a multi-party system in a free Eritrea and to establish social justice, betrayed its promises. By terrorizing the people and imprisoning leaders and members of the EPLF (and its own ranks) whom it considered opponents, it spread the tentacles of dictatorship. And because the people took this abnormal situation as normal, stopped saying "enough" despite witnessing blatant oppression, and, whether out of fear or for personal gain, became complicit in the spread of an unjust culture; and because the opposition camp has been unable to be represented by one body and one voice, the life of the dictatorship has been prolonged, and the daily life of our people is going from bad to worse.

Because the dictatorial regime's hands are washed in blood, it is unthinkable that it will reform itself. As the saying goes, "The stick is in your hand, the snake is at your feet" – the solution, our people, is in your hands. There is no power that can rule you without your consent. The answer is: No to dictatorship! Yes to freedom!

Stand up for your rights! The martyrs did not sacrifice themselves for you to live cowering and hiding on Independence Day, fearing being snatched away, but for you to walk with your head held high in your country. Yes, they gave their precious lives for you to believe, think, express, organize, move, learn, farm, herd, and work as you wish; in short, for your general freedoms to be respected and for you to be governed by law and a constitution. Your duty is to protect the sovereign country they handed over to you through noble sacrifice and to reclaim your stripped rights.

On this occasion, I also call upon the opposition camp to make the necessary compromises to achieve, without delay, the unity that this current stage demands. There is no doubt that this is a step that will give hope to our people and accelerate the downfall of the dictatorship.

Gerezgiher Tewolde
Chairman of the Political Forces of Eritrea (EPF)

Victory to the just struggle of our people!!
Downfall to the dictatorial regime!!
Eternal memory to our martyrs!
Through Unity to Freedom!!

 الرابع والثلاثون من مايو هو يوم عظيم في نفوس الارترين , فقد مضى على هذا اليوم المجيد 34 عاما , وقد دفعو له مهرا الكثير من ابناء شعبنا حياتهم , وضحوا بأرواحهم من أجل بلوغه , دون أن يسعدوا برؤيته , لكن بفضل تضحياتهم , اصبحت ارتريا دولة مستقلة ذات سيادة تتبوأ مكانها بين الامم , وبهذه المناسبة العزيزة , أهني الشعب الارتري في الداخل والخارج .

ولكن رياح الاستقلال جاءت بما لا تشتهيه طموحات وأحلام شعبنا , اذ وقع الوطن في قبضة نظام استبدادي فردي صادر جميع الحريات , وفرض على الشباب تجنيد اجباري غير محدود الزمن , ودون مقابل , تحت غطاء الخدمة الوطنية , ولم يكتفي بذلك , بل صادر موارد الوطن وثرواته , واستغلها لخدمة اجندته , وحرم الشعب من حقه في الوصول الى المعلومات , موجها له رسائل اعلامية تابعة للنظام لا تعبر الا عن رؤيته.

وفي ظل هذا الواقع المختل و من واجبنا أن نتسائل : كيف وصلنا الى ما نحن عليه ؟ وكيف يمكننا تغييره ؟ وما هي الطرق التي ينبغي علينا اتباعها لاستعادة الوطن وتحقيق تطلعات شعبنا ؟

النظام الذي يحكم اليوم في ارتريا وصل الى السلطة عبر تضليل الشعب , من خلال وعود زأفة بأن ارتريا الحرة ستكون دولة تعددية تحترم الحريات وتدار بالدستور والقانون .

لكن الواقع كشف أن تلك الشعارات لم تكن سوى غطاء يخفي نواياه الحقيقية , منذ أن  كان في الجبهة الشعبية سابقا , ثم بعد أن غير اسمه الى الجبهة الشعبية للديمقراطية والعدالة.

وبعد ان تمكن من السيطرة , خان كل الوعود , ومارس ابشع انواع الاستبداد , بزرع الخوف والرعب في أوساط الجماهير , وتصفية كل من عارضه , حتى من داخل حزبه , بما فيهم رفاق الكفاح من الحرس القديم , وللأسف اصباح غياب العدالة أمرا مألوفأ ,سكت عنه الكثيرون , أما خوفا من البطش, أو سعيا وراء مصلحة .

وفي الجهة المقابلة , فأن معسكر المعارضة لم يكن على قدر التحدي, اذ اخفقت المحاولات لتوحيد الصفوف والعمل تحت مظلة وطنية واحدة للدفاع عن حقوق الشعب , مما ساهم في اطالة عمر النظام وتعميق معانات الشعب التي تذداد سوءا يوما بعد يوم.

النظام الاستبدادي الملطخ بالدماء لا ينتظر منه أي اصلاح , فالخلاص منه واحداث التغيير هي مسؤلية الشعب الارتري . لا توجد قوة يمكنها امتطاء ظهرك شعبنا البطل ما لم تنحن لها, وبمقدورك ان ترفض هذا النظام وتنتفض دفاعا عن حقوقك , أن الشهداء الذين قدموا أرواحهم لم يفغلو ذلك لكي تهان كرامتك , بل لكي تعيش مرفوع ألرأس , حرا  تملك حق التعبير , وحرية الحركة , والتمتع بالحقوق الاساسية , في ظل دولة دستورية يحكمها القانون, ومن مسؤولياتك أن تسترد هذه الحقوق المسلوبة .                                        

وبهذه المناسبة , أوجه دعوة صادقة الى قوى المعارضة الارترية للعمل على توحيد صفوفها تحت مظلة وطنية جامعة , تستجيب لمتطلبات المرحلة , دون تأخير أو مماطلة أن تحقيق ذلك يتطلب تقديم التنازلات اللازمة , فبوحدة الصف نبعث الامل في نفوس شعبنا , ونمضي نحو انجاز عملية التغيير واسقاط النظام.

النصر لقضية شعبنا العادلة

السقوط للنظام الديكتاتوري

بالوحدة الى الحرية

المجد والخلود لشهدائنا الأبرار

قرزقيهر تولدي

رئيس القوى السياسية الارترية

ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ብዝለዓል ሓጐስ ካብ ዝተቐበለሉ ህሞት

24 ጉንበት ቅድሚ 34 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸሉ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን መልእኽቲ ዮሃና ነቕርብ።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ጠርጠራ ኣይነበሮን ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ህልቂት ህዝብን ጥሪትን  ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።

እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስኻ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና ።

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።  ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ  ዝብል ጉጅለ ክህሉ ግምት ኤርትራውያን ኣይነበረን።  ምስዚ ግና፡  ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡  ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ።  እቲ እምበርከ፡ እቲ 2 ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 34 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጐደ፡ ግና ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ። ንናይ ህዝብና ናይ ንዕብየትን ሰላምን ትጽቢት ከኣ  ንቁልቑል ነቚትዎ ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ  ድሌት  ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊሙ ዘረጋግጸሉ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ መዓልቲዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ።

እቲ ካልእ ንመበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣህጉርና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ ናብ  ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና  መበል 34 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።

ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ እዩ ዝርከብ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ዝያዳ ክልተ ዓመቱ’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መልክዕ ኣይሓዘን።  ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተመሓየሸ’ኳ እንተመሰለ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ግና ዘተሓሳስብ’ዩ። እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ  ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት   ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ዝሕተላን እውን ዘሰክፍ’ዩ።

እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡  ሎሚ ድማ “ጽምዶ” እናጨረሐ፡ ክፈጥሮ ዝደሊ ዘሎ ሓሸውየ ተወሲኽዎ፡ ህዝብና መፍቶቲ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዘይነብር ጉጅለ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን።  ድሮ ዝውሰድ ዘሎ  ዘሎ ግዱድ ግፋ፡ ነጋርቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ካብ መገሻን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ  ኣንጻርቲ ናይ ኩሉ መከራኡ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጹ ናይ ምስማዕን ቃልሱ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ   ምዝኽኻሩ እዋናዊ እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

24 ጉንበት 2025

ኣብ ታሕቲ ብተባዕታይ ጾታ ተጻሒፉ ዘሎ እንተላይ ንኣንስታይ ጾታ ከም ዝምልከት ብቐዳምነት ከፍልጥ እፈቱ

24 ግንቦት 2025 ሃገርና ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ መበል 34 ዓመት እዩ።  ነዛ ክብርቲ ምዓልቲ እዚኣ ክርእዩ እተመነዩ ግን ክርእይዋ ዘይትዓደሉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣሽሓት እዮም። ምእንቲ ናይ ህዝብና ናጽነትን ሓርነትን ክቡር ህይወቶም በጃ ዝሃቡ ብኣማእት ኣሽሓት እዮም ዝቝጸሩ። ሳላ ክቡር መስዋእቶም፡ ድማ ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ እተፈልጠላ ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኰይና ኣላ። በዚ ኣጋጣሚዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ዮሃና እብል።        

         እንተዀነ ግን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝወደቐት፥ ህዝብና መሰሉ ተጋሂሱ፡ ሓርነታቱ ተገፊፉ፡ ብደረት ኣልቦ፡ ዓስቢ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሃነኑ ጠፊኡዎ ጊላዊ ናብራ ከሕልፍ ዕጫኡ ኰይኑ ኣሎ። ብሓንቲ ራድዮን ሓንቲ ቲቪን ሓንቲ ጋዜጣን መርበብ 03 መደናጋሪ  ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንዳዘርግሐ ኣእሙሮ ህዝቢ ኣደንዚዙ፤ መላኺ ስርዓት  ጸጋታት ሃገርናን፡ ንህዝብና ብቐንዱን ፊን ከም ዝበሎ ኣብ ድላዩ ከውዕሎ ጸኒሑን ኣሎን።  እቲ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ኵነታትዚ ወዲቕና? ከመይ ጌርና ኢናኸ ምልኪ ደርቢና ሓራ ክንከውን እንኽእል? ዝብል'ዩ።

         ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ምሕደራ ክንተክል ኢና፤ ማሕበራዊ ፍትሒ ከነስፍን ኢና እንዳበለ ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ  ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።

         ምልካዊ ስርዓት የእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ስለ ዝዀነ ነብሱ ክጽግን ዘይሕሰብ እዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከም ዝብሃል፡ እቲ ፍታሕ ህዝብና ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ብዘይፍቓድካ ክገዝኣካ ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የልቦን። እቲ መልሲ እምቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት! እዩ።

         ንመሰልካ ተልዓል! ስዉኣት እኮ ኣብ ሃገርካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ክትከይድ እምበር ኣብ ምዓልቲ ናጽነት ንኸይትግፈፍ ተሸቝሪርካ እንዳትሓባእካ ንኽትነብር ኣይኮኑን ተሰዊኦም። እወ ከም ድላይካ ክትኣምን፡ ክትሓስብ፡ ክትገልጽ ክትውደብ፡ ክትንቀሳቐስ፡ ክትምሃር፡ ክትሓርስ፡ ክትጓሲ፡ ክትሰርሕ ብሓጺሩ ሓፈሻዊ ሓርነታትካ ተኸቢሩልካ ብሕግን ብቕዋምን ንኽትምሓደር እዮም ክቡር ህይወቶም ሂቦሙልካ። ግዴኻ ነታ ብኽቡር መስዋእቲ ዘረከቡኻ ልዑላዊት ሃገር ምዕቃብን ዝተገፈፈ መሰላትካ ምምንዛዕን እዩ።

         በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ።  ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ንውድቐት ምልኪ ከኣ ዘቐላጥፍ ስጉምቲ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን።

ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስማእታትና!

ብሓድነት ንሓርነት!!  

Thursday, 22 May 2025 21:53

Dimtsi Harnnet Kassel 22.05.2025

Written by
Page 6 of 606