መበል 14 ጉባአ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ምንዋሕን ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን 13 ነሃሰ 2014 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ተኸፊቱ። እዚ ጉባአ ናይቲ ውድብ ምክትል ኣቦመንበር ጌታቸው ረዳ ሓዊስካ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ፡ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ ከተማ መቐለን ዞባ ደቡብን ዳርጋ ኩሎም ተሳተፍቲ ጉባአ፡ ከምኡ እውን ኮሚሺን ምቁጽጻር ናይቲ ውድብ ኣብ ዝበኾርሉ እዩ ክካየድ ጀሚሩ።

እቶም ናብቲ ጉባአ ምስታፍ ዝነጸጉ ወገናት ካብ ዘቕርብዎም ምኽንያታት፡ “ርትዓዊ ናይ ቅድመ-ጉባአ ገምጋም ብፍላይ ነቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ዝምልከት ኣይተኻየደን፡ ጸቢብ ጉጅለ ፈጢርካ ዝተወሰኑ ባእታታት ንምጥቃዕ ዝዓለመ እዩ፡ መስርሕ ምስንዳእ ካብታ ብዕሊ ዝቖመት ኣሰናዳኢት ኣካል ብዘይፍለጥ ጉጅለ ተጨውዩ እዩ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት ምስ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሎ ምውጣጥ መዕለቢ ኣይረኸበን……ወዘተ” ዝብሉ ይርከብዎ።

ብዘይካዚ ብዛዕባ ሕጋውነት ናይቲ ውድብ፡ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ “ሀ” ኢልኩም ኢኹም ትምዝገቡ ኢሉ ምስክር ወረቐት ኣብ ዝሃበሉ፡ ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ወገን ናይቲ ውድብ ድማ ዝነበረና ደረጃ ክምለስ እምበር ከም ሓድሽ ውድብ ክንምዝገብ ኣይሓተትናን ክብል ኣብ ዋጢጥ እንከለዉ እዩ እቲ ጉባአ ተጀሚሩ። በዚ መሰረት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ድሮ ዕለት ጉባአ “ኣነ ጉባአ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ተዓዲመ ተሳቲፈ ክዕዘብ እናተገበኣኒ፡ ነዚ ከየማላእኩም ተካይድዎ ዘለኹም ጉባአ ኩሉ ውጽኢቱ ውዱቕ እዩ” ዝብል ደበዳበ ጽሒፍሎም እንከሎ እዩ እቲ ጉባአ ቀጺሉ። ናይቲ ውድም ኮሚሽን እውን ብመንጽር ውሽጣዊ ሕጎም ነቲ ጉባአ “ቅቡል ኣይኮነን” እዩ ኢልዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ምስ ዝኾነ ኣካል ፖለቲካዊ ውግንና ከምዘይህልዎ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ጉባአ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ኮነ ቀጺሉ ኣብ ዝስዕብ ዓመታዊ በዓላት “ኣሽንዳ ትግራይ” ጸጥታ ንምኽባር  ደጋፊ ኮነ ተቓዋማኢ ሰልፊ ከይካየድ ኣጊዱ ኣሎ።

ብዙሓት ከም ዝግምትዎ፡ እዚ ብብዙሓት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ጉባአ፡ ነቶም ኣብቲ ጉባአ ዘይተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት ኣባልነቶም ከይስርዝን እቲ ውድብ ናብ ምፍንጫል  ከየምርሕን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ከየስዕብ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር  ፖ ሓ ኤ  ብጻይ ገብረዝጊሄር   ተወልደ  !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን  ኣባላትን  ፖ ሓ  ኤ ፡

ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ፡

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኤትርራ 2024 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ዓቢ ብስራት ረኺብና  ጊዜኡ ኣኺሉን እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት  ሓድነት ኣቀሚጡ  ሓደ ስጉምቲ  ንቅድሚት ሰጉሙ ሓደ  መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ  ክምስረት  ብሓባር  ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ  ደስ በለና  እናበአልኩ ብስም  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ሙዉቅ ናይ ቃልሲ ሰላምታን ናፍቆትን የቅርበልኩም-።  ደጊመ

መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ደስ በለኩም ደስ በለና  !!!! ዮሃና ዮሃና ዕዉት ታሪኻዊ ዋዕላ ፡ መርሓባ ሓዳስ ሓባራዊት መሪሕነት ፡ መርሓባ ሓዲሽ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ ብጻይ ገብረእግዚኣቢሔር  ተዎልደ   !!! ብልቢ እየ ዘፍቅረኩም ኣጀና ኣጆኹም !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል  ፡

በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት  ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት  ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን  ተኣልዩን  ሓርነት ንምልባስ  ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ  ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ንምቅራብ እዩ ።

ጽቡቅ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እቲ እንምነዮን ትጽቢት ዉጹዕ ህዝብናን ዝኾነ ምውህሃድ ፖሊቲካ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ተሳማሚዖም ብምስማዕና ድርብ ዮናን ዮሃና ንብል።

እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ  ኮይኑ ሎሚ  እንሆ መበል 38 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ከኣ ነምስግናም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ጽኑዓት  መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን  ተሳተፊቲ በዓልናን !!!

እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት  ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ  ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ  ኣፋኒና  ንኽብሪ ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮ። ቅድሚኡ እውን  ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ  ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና  ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ  ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ሕጂ ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉና ።  ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ  መድረኽ  እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና  ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል።  ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን  ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት  ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።

ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2024 ፡

   ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ  ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም  ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 33 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-

ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 33 ዓመት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ?  ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ  ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!!

ሕጂ እውን

ብሓድነት ንሓርነት  !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።

ፍራንክፎ ርት 10 08 2024

 

ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ

ክቡር ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላ ሓላፊ ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈትን ማሕበራዊ ጉዳያትን

ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2024

ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራን ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ኣስሳሰይቲ መድረኽ

ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን

ክቡራት ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽና

ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።

ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ስለ ዝዀነ ታሪኻዊ እዩ። ሎም ምዓልቲ ኣብ ቅድሜኹም ቀሪበ እቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 ቀጺሉ'ውን ብ2020 ብተበግሶ ነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ንምጥርናፍ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እተኻየደ ጻዕሪ ኣብ ፍረ ምብጽሑ ከበስር ከሎኹ ክብ ዝበለ ሓጎስን ክብርን ይስምዓኒ። ሓው ብርሃነ ኣብ ማእከልና ብህይወት እንተዝህሉ ክንደይ ባህ ምበሎ!

ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡ እቲ ኣብዚ ዋዕላ ብ21 ኣባላትን 3 ተጠባበቕትን ቆይሙ ዘሎ መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ፡ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይ ታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።

ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ። እዚ እቲ ዝኸፍኤ እዩ ከመይ ንዕኡ እንድሕሪ ለሚድካዮ ካብኡ ከመይ ጌርካ ሓራ ትወጽእ? ስለምንታይከ እዚ ዘይንቡር ከም ንቡር ተለሚዱ?

ብቐዳምነት እቲ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ብዓወት ዝዛዘሞ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስያዊ ባህሊ ስለዘይነበሮ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ሰረት ከንጽፍ ኣይክኣለን። ህዝብና ድማ እቶም ዓወት ንሓፋሽ! እንዳጨርሑ ሃገር እተቘጻጸሩ ደቁ ካብ ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝኸፍኤ ኣርዑት ባርነት ከሰክሙዎ ስለዘይተጸበየ ተገሪሁሎም። ካብ ክቱር ምእማን ሰብ ተኣሲሩ ክሰምዕ ከሎ፡ ሓንቲ ጭብጢ ከይሓዘ፡ ገለ ጌሩ ይኸውን ክብል ይስማዕ። ከምዚሉ ድማ እታ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ በብቝረብ ኣጥፊኡዋ። ዓገብ ክብለሉ ዝነበሮ ኣጋጣሚታት ብዙሕ'ዩ ገለ ካብኡ ክጠቅስ፡

* ኣብ 20 ሰነ 1991 ካብ ሎሚ ንድሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን'ዩ ዝብል ኣዋጅ ወጺኡ    

* ኣብ ድሮ ረፈረንደም ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ ዝሓተቱ ተጋደላቲ ኣደዳ ማሰርቲ ኰይኖም

* ኣብ ረፈረንደም ምድማጽ ኣብዮም ተባሂሎም ናይ ይሔዋ መሰኻኽር ዜግነታዊ መሰሎም ተገፊፉ

* ውጉኣት ሓርነት መነባብሮኦም ንክምሓየሸሎም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበሩሉ ግዜ ብብረት ተቐቲሎም

* ንቤት ትምህርቲ ኣል ዲያእ ስለ እተኸላኸሉ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦና ሓጂ ሙሳ ትኣሲሮም

  ዓሪፉም'ውን ቅድሚኦም'ውን ሓዎም ጣሃ መሓመድ ኑር ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት

  ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ን3 ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ 2008 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ ምንባሩ

  ዝዝከር'ዩ። ንኤርትራ ብዙሕ ዘበርከተት ስድራ እዚ ክወርዳ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ

* ኣቡነ ኣንጦንዮስ 16 ዓመታት ድሕሪ ምእሳሮም ዓሪፎም

* ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ካብ ዝእሰር 33 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።

* ጀግኑ ተጋደልቲ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ካብ ከሰላ ፡ ገብረብርሃን ዘርኤ ካብ

  ሑሞራ መሓመድ ዓሊ ብራሂም ካብ ገዳርፍ ካብ ዝጭወዩ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ካልኦት

  ዝተጨውዩ እንተልዮም ስለ ዘይፈለጥናዮም'ምበር ክንጠቕሶም ስለዘይደለና ከም ዘይኮነ ክትርድኡልና 

  ንደሊ

* ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ጀነራላትን ሚንስትራትን ብዘይፍርዲ ካብ ዝእሰሩ ዳርጋ 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ

* ግዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ካብ ዝእሰሩ'ውን ዳርጋ 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ

* ከካብ ገዝኦም ብዓመጽ ተወሲዶም ገና ዘይተመልሱ ቁጽሪ የብሎምን

* ናይ 'ታ ሓንቲ ዝነበረትና ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ስለ ሕቶታት ዘቕረቡ ናብ ዊዓ ሲዲዶም ንሓደጋን ሞትን

   ኣሳጢሖሞም ነታ ዩኒቨርሲትይ ድማ ዓጽዮማ።

* ን 18 ወርሒ ዝተባህለ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ብዘይ ዓስብን ደረትን ይቕጽል ኣሎ።

* ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ንኽነብረሉ ዝኽእል ባይታ ስለዘየለ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።

* ቅዋም ሞይቱ'ዩ ካብ ዝብሃል ዓመታት ሓሊፉ

እዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ተረኽቦታትን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክፍጸም ከሎ ህዝቢ ዓገብ ኢሉ ተቓውሞኡ ከስምዕ'ዩ ዝግባኦ ነይሩ። ሕጂ'ውን ዝመጸ ይምጻእ ንፍርሂ ቀንጢጡ ዓገብ ክብል እንተዘይጀሚሩ፤ ንመሰሉ ክሓትት እንተዘይተላዒሉ ገባቲ ስርዓት ምልኩ ከትርረሉ እምብር ክፍኵሰሉ ኣይኰነን።  

 ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን  ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቐድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።

ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።

እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ከፍርዩ እንተዀይኖም ድማ ብሓደ ልሳን ክዛረቡ የድልዮም። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ክጥርነፉ የድልዮም። ነዚ ዘማዕደወ ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።

እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November)  2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024 ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ። ኣብዚ ዋዕላዚ ድማ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕትን ማእከላይ መሪሕነት ቅይሙ ከም ዘሎ ከበስር እፈቱ።

ሳላ'ዞም ህርኩታት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ድማ ክሰምዕን ከንብብን ንዝደሊ ብኣጻብዕቱ ጥውቕ ምባል ጥራሕ'ዩ ዘድልዮ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ እተኻየደ ኣአዳሲ ዲፕሎማስያዊ ስራህ ከኣ፡

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

ከምኡ'ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ኀውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ' ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖሌቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይዚ ጽላልዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብዚ ዋዕላ ዝቖመ መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ሂቡዎ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ'ዚ ክምለስ ኣለዎ።

መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ'ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ "2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ'ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . "ወዘተ. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ'ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት'ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ኣብ ስልትታቱ ክቕይሮ ዘለዎ ንገራት እኳ እንተለዎ፡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ።  ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽኩ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ካየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንዝተኸልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን ብዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።

እንተ'ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን  ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን  ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትር ብ10 ነሃሰ  2024 ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣብቲ  ኣሕዋት ኣድያም ተፈራን ግርማይ ዘሚካኤልን ዘመርሕዎ መኽፈቲ፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ።  ሓው ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ፈስቲቫል ብወገኑ ንምስንዳእ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ኣመጻጽኣ ፈስቲቫል ጀርመን ጠቒሱ ኣብ ምድላው እቲ ፈስቲቫላ ግደ ንዝነበሮም እሞ ንዝተሰውኡ ኣሕዋት ዘኪሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንበደላት ህግደፍን መራሒኡ ዲክታተር ኢሳያስን ክዕገሶም ከምዘየብሉ ኣመልኪቱ። ሃገርና ብሰንኪ ህግደፍ እናፈረሰት “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” እንተዘይኢሉ ታሪኽ እውን ክሓተና እዩ ኢሉ ከኣ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንተበግሶ ፖሓኤ  ከሕይሉ ጸዊዑ።

ኣብዚ ብትግርኛን ዓረብን ዝተኻየደ መኽፈቲ ፈስቲቫል ካብ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ውድባትን መድያታትን ብኣካል ብኻልእ ኣገባባትን ናይ ደገፍን መተባብዕን መልእኽታት ተመሓላሊፎም።  ሓው  ኢብራሂም ሃሮን ኣቦመንበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡  ብወገኑ ካብ ዘለዎ “እንኳዕ ናብ ምምስራት ፖሓኤን ፈስቲቫልን ኣብ ጸሓና” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ናይቲ ውድብ ድማ ካብቲ መድረኽ ብዛዕባ መልእኽቲ  ሓው ኢብራሂም ሃሩን   ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።

Untitled 2xx

ሓው ገርዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ላዕለዋይ ኣካል ፖሓኤ ኣብቲ መድረኽ ሰፊሕ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል። እቲ ፈስቲቫል ብኣካላት ፖሓኤ ዝተዳለወ ስለ ዝኾነ ታሪኻዊ እዩ ኢልዎ። ካብ ዝሓለፈ ታሪኽና ስለ ዝተመሃርና ነዚ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝመስረትናዮ ጽላል ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ስለ ዝተመሃርና  ከም እንዕዉቶ ርግጸኛታት ኢና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ዘይንቡር ህይወትን ንምቕያሩ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልስን  ዘርዚሩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝተዓገሶም በበይኖም በደላት ህግደፍ ከኣ  ብኣብነታት ኣሰንዩ ሰፊሕ ዝርዝር ኣቕሪቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም  ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ዓገብ ክብል ድማ ጸዊዑ። ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንኢዱ ንዝያዳ ኣበርክቶ ተማሕጺኑ። ፖሓኤ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝቃለስ ጽላል ምዃኑ ከኣ ኣጉሊሑ ገሊጹ።

Untitled 3xx

ፖሓኤ ዝቖመሉ ኣዕኑድ እንታይ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቦመንበር  ገረዝጊሀር ተወልደ፡ እቲ ጽላል ኣብ ቀዳማይ ዋዕላኡ 21 ዝኣባላቱ ማእከላይ መሪሕነት ኣቚሙ ዝተፈላልዩ ሰነዳት ምዳቑ ኣበሲሩ። ናብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ እዞም ጽላል ዝመስረቱ 3ተ ኣካላት ጥራይ ዘይኮኑ ካለኦት እውን ንዝገበርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ንኢዱ። በብኹርንዑ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብምድጋፍ ድማ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት እቲ ቃልሲ ወሳኒ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብዚ መድረኽ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ብንባብ ቀሪቡ።

ድሕሪቲ መግለጽታትን ምንባብ ደምዳሚ መግለጽን፡ ኣሕዋት ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ያሲን ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ዝመርሕዎ ናይ ሕቶን መልስን ምይይጥን ተኻይዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት “ውድባት ኤርትራ ስለምንታይ ተኣኪበን ይፍንጠሓ? ስለምንታይ መንእሰይ ናብ ውድባት ዘይሳተፍ? ነዚ ዝርአ ዝሎ ምልዕዓል መንእሰያት ከመይ ትርእይዎ?፡ ስለምንታይ ኣብ ምዕራቕ እቶም ዝበኣሱ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘይትሳተፉ?፡  ኣብዚ ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት ዝበሃል ዘሎ ርኢቶኹም እንታይ እዩ?፡  ዝብሉ ይርከብዎም። ነዚ ሕቶታት ካብ መድረኽ ግቡእ መብርሂ ተዋሂብዎ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ከኣ ንተበግሶ ፖሓኤ ዝተባብዕ ርኢቶታን  መተሓሳስባታትን ተዋሂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኣውላላ ኣብ ዝበሃል ጫካ ዝነበሩ፡ ከባቢ 2500 ሱዳናውያን ስደተኛታት “ናብ ሃገርና ብእግሪ ክንምለስ ኢና” ከም ዝበሉ “ሬድዮ ደባንጋ” ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ናይቶም ኣብ ጫካ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ኣካል፡ ንሬድዮ ደባንጋ ከም ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ዝበጽሑ ድሕሪ 98 መዓታት ኣብ ጫካ ምጽናሕን ኣብ ክልተ ሰሙን ጥራይ 2ተ ሰባት ብጥይት  ካለኦት ክልተ ቆልዑ ድማ ብጥሜት ምስ መቱዎምን ከምኡ ከኣ 23 ሰባት ምስ ቆሰልዎም ምዃኑ እታ ሬድዮ ሓቢራ። በዝን ብካልእን ምኽንያታትን ልዕሊ 6 ሺሕ ዝነበረ ቁጽሮም ናብ ከባቢ 2500 ከም ዝወረደ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብቶም ስደተኛታት 24 ኣካለ-ጐደሎ፡ 64 ሕሙማት መንሽሮ፡ ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሕማም ኩሊት፡ ብዝሒ ደምን፡ ልብን ኣዝማን ዝተጠዑ ሰባት ከም ዝርከብዎም፡ እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ናይቶም ስደተኛታት ኣወሃሃዲ ኣካል፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ  ተሓባበርቲ ኣካላትን ነቶም ስደተኛታት ከሰንይዎም ጸዊዑ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብወገኖም ኩመርን ኣውላላን ካብ ዝበሃሉ መደበራት፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 35 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሕድሽ መደበር ኢፍተር ናይ ምስግጋር መደብ ከም ዘሎ ሓቢሮም። እዞም ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ብመተማን ኩምሩክን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ እዮም።

                       

ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላን

ኣቦመንበር ላዕለዋይ ምሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ፡ ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን ኣባል መሪሕነት ናይቲ ኣካል ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላን ንኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ናይቲ ጽላል ደገፍትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት  ብ9 ነሃሰ 2024 መብርሂ ሂቦም። ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብቲ ሰሚናር ናይቲ ብ8 ነሃሰ 2024 ዝተዛዘመን ናይ ተሳፍቱ ውዕዉዕ ተራ ዝተራእየሉን 1ይ ዋዕላ ፖሓኤ መስርሕን ውጽኢቱን ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ሂቡ።

ኣቶ ገረዝጊሄር ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቲ ናይቲ ጽላል ቻርተርን ዓንዲ ሕግን ብምጽዳቐ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣገደስትን እዋናውን ዛዕባታት ብሰፊሕ ዘትዩ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምውሳን፡ ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱ ላዕለዋይ መሪሕነት ብምምዛዝን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ዝተዛዘመ ቀዳማይ ዋዕላ ዕዉት ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ኣብቲ ዋዕላ  ዝተመስረተ ጽላል መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ሰፊሕን ብዙሓት ፖለቲካዊ ውዳበታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝሳተፍዎን ንምግባሩ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ነቲ ዋዕላ ኮነ ነቲ ፈስቲቫል ንክዕወት ንዝጸዓሩ ኣባላት ፖሓኤ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

እቲ ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምፍጣር ቃልሲ ንዝተወሰኑ ውድባት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ኩሎም ውዳበታት፡ ብሓፈሻ ከኣ  ናይቲ ለውጢ ዋና ዝኾነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

Untitled 2ገለ ተሳተፍቲ ሰሚናር ብኸፊል

ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ብወገኖም፡ ኣገዳስነት ናይ ብሓባር ዘቃልስ ጽላል ብምጥቃስ፡ እዚ ፖሓኤ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ሓድሽ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተዓወተ ፈተነታት ከይከውን እጃሞም  ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ጠቒሶም። እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ጽላል ናብ ሰፊሕን ሓቛፍን ንምብራኹ ክስራሓሉ ድማ ተላብዮም።

ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ፍራንክፈርት ጀርመን ካብ 9 ክሳብ 11 ነሃሰ 2024 ዝካየድ እዩ።

EPF Headed Paper

 07 ነሓሰ 2024

እቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ብተበግሶ ሓርበኛ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን-ናው) ዝጀመረ መስርሕ ሓባራዊ ከይዲ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ)፡ ደጊም ናብ ልዕል ዝበለ ብራኸ ብምውጻእ 1ይ ዋዕላኡ ካብ ዕለታት 05-08 ነሓሰ 2024 ኣካይዱ፡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ እዚ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብኣካልን ብዘሎ ምዕቡል ናይ ማንዛ ርኽክባትን ብምውህሃድ ዝተኸየደ ዋዕላ’ዚ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ራዕድን ሽበራን መቕዘፍትን፡ ኣብ ዞባና ንፈጢሩዎ ዘሎ ጸገማትን ንምዕራፍ፡ ብተወሳኺ`ውን ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ምስ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደሽቲ ዘየቕስኑ ኩነታት ብምዝማድ፡ ህዝብናን ሃገራናን ካብዚ ሽግራትዚ ንምውጻኡ ክግበር ንዝግባኦ መዋጽኦታት ኩሉ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ንዝመጽእ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጠመተ ብምግባር፡ ፖሓኤ ዝምርኮሰሎም ፖሊቲካዊ መትከላትን፡ ዕላማታትን ቅዋማዊ መቖሚታትን ሓንጺጹ።

እቲ ካብ መፋርቕ 2020 ዝጀመረ ከይዲ ጉዕዞ ብዙሕ ብድሆታት ዝነበሮ ኮይኑ፡ እሞ`ውን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኺኖቲ ግናይ ምልካዊ ስርዓት ተጻዒኑዎ ዝጸንሕ ጉድለት፡ ናይ ተቕወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ጸገምን፡ ክብድህ ዝኸኣለ ባና ናይ ዓወት ኣብሪሁ ምህላዉ’ዩ። ብርግጽ`ውን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሓይልታት ብሃንቀውታ ዝጽበዩዎ ትስፉው መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ’ውን ብኻልኦት ሓይልታት ከምዝትርንዕን ናብቲ ህዝብና ዝደልዮ ናይ ዓወት መንገዲ ከም ዝበጻሕና ዘበስርን ክኸውን`ዩ።

እዚ ዕዉት መስርሕዚ፡ ክዉን ዝገበሩ ኩሎም ኣባላት ናይ እዘን ሰለስተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝነኣድ ኮይኑ፡ ብዝያዳ`ውን እቶም ነዚ ቅዱስ ዕማም ናብ’ዚ ብራኸ’ዚ ከብጽሑ ዝኸእሉ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣዚና ነመስግን። ንኹሉ ዝሓለፍዎ ስርሓቶም ዘንጸባርቕ ጸብጻቦቶም ብጽሞና ሰሚዑን ተቐቢሉን፡ ብማዕሪኡ`ውን ኣመስጊኑን። ከምኡ’ውን ነዚ ዕዉት ዋዕላና ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ምሳና ንዝቐነዩን ፡ ነዚ ህዝባዊ ዓወት ንዘቃልሑን ወነንቲ ኤሪትራዊ ማሕበራዊ መራኽቢታት ኤሪሳት፡ ኤሪፒኤም፡ መስከረም 61፡ ስኒትና ኔትዎርክ፡ ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ ሃገረይ ቲቪን፡ መላ መድያን ደጋጊምና ነመስግኖም።

ዋዕላና፡ ነቲ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝተነብረ ሃገራዊ መቆምያታት ማለት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብ፣ ዲሞክራስያዊ መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ንዝብል ቅቡል ጌሩ ንኸዕውቶ ወሲኑ ኣሎ። 

ዋዕላና፡ ንላዕለዋይ መሰጋግሪ ሽማግለን፡ ንመስርሕ ምስንዳእ ዋዕላና ብዕትበት ንዝሰርሑን እንዳኣመስገነ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሰንኪ እዚ ገባቲ ስርዓትዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ፡ ሕሰምን ስቅያትን ስድራ ቤታዊ ፍልሰትን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምዕራፍ፡ ምልጋስ ናይዚ ስርዓትዚ መተካኣታ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ህዝብና ነዚ ክዓጥቕን፡ ዘሎዋ ፖሊቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን`ውን ነዚ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዓወት መሳልል ብሓባር ክድይቡዎን ክጸናበሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ዋዕላና ጸዊዑ።

ዋዕላና፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ክዕመሙ ዝግባኦም ህዝባውን ፖሊቲካውን መደባት ሓንጺጹን ንዝምልከቶ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰኪሙን። ንምክልኻል ልዑላውነት ኤርትራ፣ ንሓባራዊ መኸተ ደምበ ተቓውሞ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ንህዝባዊ ማዕበልን መንእሰያዊ ባህርያቱን፣ ንዝምድናታት ምስ ከባቢናን ዓለምናን፣ ክመጸና ንዝኽእል ዶብ -ሰገር ሓደጋታት፣ ከምኡ`ውን ንሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ኣመልኪቱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ወሲዱ። ዋዕላና፡ ኩሎም ኣባላት ፖሓኤ ነዚ ውሳኔታት ምስ ዝምልከቶም ተመሳሰልቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክኸድድዎን፡ ከድምዑሉን ይጽውዕ። ብማዕረዚ`ውን ኣሕዋት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ንዘሎና ንኣሽቱ ፍልልያት ብምውንዛፍ፡ ንምእላይ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ሓቢርና ንኽንሰርሕ ይጽውዕ።

ዋዕላና ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ነዚ ውሳኔታትዚ ንዝመጽእ 2 ዓመታት ዝመርሑ 21 ኣባላትን፡ 3 ተጠባበቕትን ዘሎዉዎ፡ መሪሕነት ኣቚሙ። ፖሓኤ ንቐጺሉ ሒዙዎ ዘሎ ፈላሚ ሓባራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምዕዋት ክሰርሕ ምዃኑኣረጋጊጹ።

ዓለምና ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ክርዳእን ዘድሊ ሓገዛት ንህዝብና ክልግስን ኣንዳጸዋዕና፡ ነቲ ድሮ ተፈጺሙ ዘሎ እንዳኣመስገንና ንዝያዳ ተሳታፍነቶም ንጽውዕ።

ብሓድነት ንሓርነት! 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ከተማ ቪስባደን፡ ጀርመን

ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ።

6 ነሓሰ 2024

EPF Headed Paper

ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።

ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ

ክቡር ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያት

ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ክቡራንን ክቡራትን ብኣካልን ብዙምን ተሳታፍቲ ዋዕላ

ክቡራት ብኣካልን ብዙምን ትሳተፉ ዘሎኹም ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን

ብስመይን ብስም ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ዋዕላዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና። ዓወትን ኣሳልጦን ዝመልኦ ቅንያት ይግበረልና።

ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ። ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ስለ እተወስደ ዘርዚርካ እውን ስለ ዘይውዳእ ሓደሓደ ኣብነታት ጥራሕ ክጠቅስ እየ።

* ደረት ኰነ ግቡእ ዓስቢ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ካብ 94 ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ። መሰሉ ዝፈልጥ ንቑሕ ዜጋ ካብ 18 ኣዋርሕ ንላዕሊ ከገልግል ኣይምፈቐደን። ግን ዘይግቡእ ክነሱ ይቕጽል ኣሎ።

* ኣብ ገዛእ ሃገርካ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክትጓዓዝ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ከድልየካ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* 11 ክፍሊ ምስ ወዳእካ ናብ ሳዋ ወይ መደበር ታዕሊም ምኻድ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብዝንባሌኻን ብዓቕምኻን ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ትኣቱ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝመደበካ ምእታው ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብሰንኪ ግጉይ ኣመዳድባ፡ ስራሕ ቈልዑ ብዘይ ኣቦን ኣደን ክዓብዩ ምርኣይ ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ።

* እቲ ውልዕ ኢሉ ብኣጋኡ ዝጠፍኤ ብሕታዊ ጋዜጣታት ካብ ዝእገድ 23 ዓመታት ኣቝጺሩስ፥ ገባቲ ስርዓት ዝዝርግሖ መራኸቢ ብዙሓን ምስማዕ ጥራሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮም ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቀድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ዘይንቡር ሃለዋት’ዚ ሃገሩ ናጽነትን ሓርነትን ከጓናጽፍ ን 30 ዓመታት እተቓለሰ ህዝቢ ከቶ ዝግብኦ ኣይኰነን። ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን፥ ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።

እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ፖ ሓ ኤ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 እተጀመረ ብነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ሱዳን ናው) ኣብ 2020 እተቐጸለ ንሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንምጥርናፍ ዝዓለመ ምትእኽኻብ እዩ። ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት

ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።

እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November) 2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ።

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።

ንዋዕላን ፈስቲቫልን ዘሰናድኣ ሽማግለታት ቆይመን ስርሐን ኣጻፊፈን ናብዚ ዋዕላዚ ክንራኸብ በቒዕና ኣሎና። ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጽሓየን።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን ክጸድቕ፥ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕቲ ዝህልዉዎ ማእከላይ መሪሕነት ብመሰረት ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክቐውም እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ’ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ክዋሃቦ ክብ ዝበለ ትጽቢት ኣሎ።

ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡

እቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት

ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ክምለስ ኣለዎ።

መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ’ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . ወዘተ”. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ’ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት’ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

እንተ’ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።  ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

Page 7 of 573