ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍ እገዳ ክትውስን ተጸዊዓ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤረድረስን ፎካስ ኤርትራን (REDRESS and Eritrea Focus) ዝተባህሉ ትካላት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስታዊ ትካላት ኤትራ እገዳ ንክትውስን መጸዋዕታ ከም ዘቕረቡ ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እዞም ኣካላት ነዚ መጸዋዕታ ናብ ሚኒስትርታት ወጻኢ ጉዳይን ልምዓትን መጸዋዕተኦም ከቕርቡ ዘገደዶም፡ እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝተፈጸመ ግህሰትን ዕንወትን ምዃኑ እውን ጠቒሶም።
እቶም ኣብቲ ናይ እገዳ መጸዋዕታ ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ሓለፍትን ትካላትን፡ ኣብቲ ሰፊሕ ብህግደፍ ዝፍጸም ሰብኣዊ ግህሰት፡ ጃምላዊ ቅጥለት፡ ጾታዊዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ምስዋርን ምስቓይን ርኡይ ብጽሒት ዘለዎም እዮም። እዞም ክልተ ትካላት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዓባይ ብሪጣንያ ዝርዝር ገበናት ዝሓዘ ፋይል ምቕራቦም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ተሓታቲ መን ምዃኑ ኣብ ምቅላዕ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ። እዚ ዓባይ ብሪጣንያ ክትውስኖ ትጥለም ዘላ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ተሓተቲ ናይ ጉዕዞ ምኽልካልን ናይ ንብረት ምድስካል ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምምሕዳር ካብ ሰሜን ኮርያ ብዝገደደ፡ ኣብ ኩሉ ውሽጣዊ ህይወት ናይ ሰባት ኣትዩ ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብር ዝሓበረ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ስለ ዝግደዱ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ጽንተት ዘጋጥመን ዘሎ ሃገራት ዓለም ምዃና እውን ኣብዚ ናይዘን ክልተ ትካላት መገልጺ ሰፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ክፍሊ ገንዘባዊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሓለፍትን ብህግደፍ ዝውነና ትካላትን ናይ መገሻ እገዳን ምድስካል ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሕሳባት ባንኮምን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልስሉ
ኣርባዕተ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ባሕሪ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ወረዳ ኮክሃ ከባቢ ሁደይዳ ከም ዝኣተዉ ብ12 ጥሪ 2025 ከም ዘፍለጡ ኣገልግሎት ዜና የመን ሓቢራ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ፡ ኣብ ደሲታት ሕነሽ ብሓይሊ ባሕሪ ከም ዝተኣስሩ ምፍላጦም እታ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጣ። እታ ማዕከን ዜና ከም ዝተገለጸቶ ኣብቲ ዝተኣስርሉ ግዜ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረትን ጀላቡን ብሓይልታት ኤርትራ ተወሪሱ እዩ።.
ዳይረክተር ወረዳ ኮክሃ ኢምጃድ ኣል ዖስማይሲስ፡ ብተደጋጋሚ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንዝፍጸም ተግባራት ኮኒኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ኣእትዮም ነቲ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብቀጻሊ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝፍጸም ገበን ጠጠው ከብልዎ ከም ዝጸውዐ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኤርትራ ብሰንኪ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ዝሓዘተን 3 መራክብ ኣዘርባጃንን ደሓር 24 ምዃኖም ምስ ዝተፈልጡ ሰራሕተኛታትንን ዘይምፍታሓ ምስታ ሃገር ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ከም ዘላ ዝዝከር እዩ።
ኣልጀርስ: እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ደው ንኽብል፡ ስምምዕ ዝተኸተመላ ዋና ከተማ ኣልጀርያ እያ። በዚ መሰረት ድማ ኤርትራውያን ምስ ኣልጀርስ ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎም። ነቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ብምቅርራብ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣልጀርያ ቡተፉሊቃ 18 ሰነ 2000 ዝኸተሙ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለ ወደትንሳኤ (ድሩዕን)ን ኣቶ ስዩም መስፍንን እዮም። ቀጺሎም ናይ ቀዋሚ ሰላም ስምምዕ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዝኸተሙ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብረሃን ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣስረስን ምንባሮም መዛግብ እቲ ስምምዓት ይምስክሩ።
ትሕዝቶ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዙሓት ዓንቀጻትን ዛዕባታትን ዝሓቖፈ፡ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኮሚሽን ካሕሳን ጥርዓንን ከምኡ እውን፡ ውግእ ብመን ከም ዝተጀመረ እተጻሪ ኣካል ምቛም ካብቶም ዝጥቀሱ ትሕዝቶ ነጥበ-ስምምዕ እዮም። መስርሕ ውሳነ ኮሚሽን ዶባ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ 25 ኪሎ ሜተር ዝዕምቆቱ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ክሊ (buffer zone) ተኸሊሉ ኣብኡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ክሰፍር ተወሲኑ ምትግባሩ ከኣ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ፡ መርኣያ ስዕረት እቲ ኢሳያስ ንወታሃደራዊ ክኢላታት ኣግሊሉ ዝመረሖ ውግእ ህግደፍ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ነቲ “ውግእ ብመን ተጀሚሩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኣጻርያ ንምምላስ፡ ክትምርምር ዝተመዘት ኣካል፡ ኣብ 2005 ኣብ ዝሃበቶ ውሳነ፡ “ኤርትራ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ጥሒሳ ነቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ብምጥቃዕ ጀሚራቶ (Eritrea broke international law and triggered the war by invading Ethi” ዝብል መደምደምታ ከም ዝሃበት ሰነዳታ ይምስክሩ። ንካሕሳን ጥርዓንን ኣጽኒዓ ክትውስን ዝተመዘት ኣካል ከኣ ብ19 ነሃሰ 2009 ብዘውጸኣቶ ደምዳሚ መግለጺ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ 174,036,520.00 ዶላር ክትከፍል፡ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ 163,520,865.00 ዶላር ክትከፍ በይና። በዚ መሰረት እቲ ክፍሊት ምስተወራረደ፡ ኤርትራ ናይ 10.515.655,00 ዶላር ዕዳ ንኢትዮጵያ ከፋሊት ምዃና እቲ ሰነዳት የመልክት።
እታ ዝዓበየ ዕማም ዝነበራ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ13 ለካቲት 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይና ሂባ። ድሕሪ ብይን ክትከዶ ዝነበራ መስርሕ ተጓዒዛ፡ ኣብ ምምልካት ኣብ መሬት ምስ በጸሐት ግና ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከም ዘለዎ፡ ብመሰረ’ቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ባህሪኡ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ስለ ዘይተራእየ፡ ደውታ ኣጋጢምዎ። ህግደፍ ከኣ ንኣስታት 20 ዓመታት ብፍላይ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምኡ ከኣ ነተን ካለኦት ኣብቲ ምፍርራም ተዓዘብቲ ዝነበራ መንግስታት ምዕራብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ወጊነን ብዝብል ኣብ ምርጋምን ምኽሳስን ተጸሚዱ ነይሩ። ምስዚ “ህግደፍከ ነቲ ውሳነ ናይ ምትግባሩ ዕድል እንተዝረክብ ቅሩብዶ መኾነ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት’ኳ እንተነበረ፡ ብተግባር ዕድል ምስተረኽበ’ውን ከምዘይተገደሰሉ ብግብሪ ተራእዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ “ናይ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ ዝተፈጥረ ስንብራት፡ ትግባረ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ባይታ ብምምልካት ከይተዛዘመ፡ እዚ ሎሚ “ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት” ዝምለስ ዘሎ፡ ስምምዕ ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ተኸሲቱ። ወዮ ናይቲ ስምምዕ ቀንዲ ምኽንያት፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ውሳነ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ቅሩብ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸ” እናተባህለ ተገሊጹስ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና ንትግባረ ውሳነ ዶብ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ’ውን ኣይሓዞን።
ኢሳያስ ክሳብ “ምስሕሓብ ዶብ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ስለ ዘይነበረ፡ ናብ ዝኸደና የብሉን” ኣብ ዝብል ሕጫጨ ከም ዝበጸሐ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ካብቲ ሳላ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘቋረጸ ንኤርትራውያን ኩለ-መዳያዊ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ ኣዕናዊ ውግእ ከይተማህረ ከኣ፡ ምስ ኣብይ ኮይኑ ናይ ውግእ ኮበሮ ብምድሳቕ፡ እቲ 4 ሕዳር 2020 ዝተባርዐ ውግእ ትግራይ ንክጅመር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ ደሓር ከኣ ኣካሉ ኮይኑ ተዋሲኡ። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየንጸባርቕን ውሳነ ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ዓገብ ደጊም ውግእ ይኣኽለና፡ እቲ ዝሓለፈ’ውን ኣየርብሓናን” ምባል፡ “ንኺድ ጥራይ” እናበሉ ዘሰነይዎ ኤርትራውያን ምንባሮምን ምህላዎምን ድማ የሕዝን።
በቲ ሓደ ወገን ሓይልታት ኤርትራ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መልሻ ኣምሓራን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሰሊፎም መሪሕ ኮይኖም ዝተዋስእሉ ውግእ ትግራይ፡ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ውግእ ንክልተ ዓመታት ምስ ቀጸለ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዘብቀዐ፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ ብ2 ሕዳር 2020 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ፡ ብናይ ውግእ ምቁራጽ ውዕል ተቛሪጹ። ኢሳያስ ኣብ ውግእ ትግራይ “ተለጣፊ እምበር ዝምልከቶ ኣካል ኣይኮንካን” ስለ ዝተባህለ፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ፕሪቶርያ ኣይተሳተፈን። በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣካልቲ ዘተ ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ብዘይምርካቡ ኣዝዩ ከም ዝተቖጠዐን ሕነ ክፈዲ ከም ዝሓንሓነን ኣብቲ ግዜ’ቲ “ተኾሊፍና” ብዝብል ቃሉ ኣግሂድዎ እዩ።
ኢሳያስን ጉጅለኡን ከምቲ ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ውግእ ካብ ምንዳይ ዘይተኣደቡ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ እውን ብዙሓት ናብ ውግእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ዝበልዎም መዓጹ ይኩሕኩሑ ኣለዉ። ምስ ፈደራል ኮይኑ ኣንጻር ትግራይ ዘካየዶ ውግእ ከየጠዓሶ፡ ምስ ትግራይ ኮይኑ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወግእ ድሌት ኣለዎ ዝብል ወረ ምዝርጋሑን ምስቶም ብጉዳዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝኣተዉ፡ ወገናት ኪዳን ፈጢሩ ናብ ውዲት ክኣትው ምድላዩ ድማ የገርም።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኩሉ’ቲ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ቁማር ንኤርትራን ህዝባን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ኣትሒዙ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትከ፡ ኤርትራን ህዝባንሲ “ደጊም ናትካን ናይ ጉጅለኻን መቋመሪ ኣይክኾኑን እዮም” ዝብል ድምጽና ኣበሪኽና ብሓባር ናብ ተግባር እንኣትወሉ ደኣ ካብ ሎሚ ሓሊፍ መዓስ’ዩ ክኸውን?
ኣብ ከተማ መቐለ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ፡ “ጽላል ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ” ዝተባህለ ትካል ዝጸውዖ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ማዕከናት ዜና ትግራይ ገሊጸን። ዕላማ ናይዚ “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕን ካለኦት ጭሮሖታትን ዝተመርሐ ሰልፊ፡ ካብ ወልቃይትን ካለኦት ከባብታትን ትግራይ ብሰንኪቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ንክምለሱ መጸዋዕታ ንምቕራብን ተጽዕኖ ንምፍጣርን ምዃኑ እቶም ኣዳለውቲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ካብ ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዓንቀጻት “በቲ ውግእ ብኻለኦት ሓይልታት ዝተወስደ መሬት ክምለስን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ምምላስን” ዝብሉ ይርከብዎ። እንተኾነ ብፍላይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ ትጅቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ መሬት፡ “ብሓይሊ ተወሲዱ ዝነበረ ብሓይሊ ዘምለስናዮ መሬትና እዩ” ብዝብል፡ ካብኡ ክወጽእ ፈቓደኛ ኣይኮነን።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን “ናተይ ናተይ” ዝብልዎ ዘለዉ ክልተ ጫፋት ገዲፉ፡ መፍትሒ ኢሉ ዘቕረቦ እማመ ኣለዎ። እቲ እማመ “ዝተመዛበሉ ትግራዎት ናብ መረበቶም ክምለሱ፡ ምስተመለሱ ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ነባራይ ብሓባር መራሕቶም ክመርጹ፡ ብዘይካ ናይ ፈደራል ናይ ክልቲኡ ክልላት ዕጡቓት ኣይኣትዉን፡ ፈደራላዊ ሰራዊት ጸጥታ የኽብር፡ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ርክቡን በጀቱን ብቐጥታ ምስ ፈደራል ይኸውን፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብዝካየድ ረፈረንደም እቲ መሬት ንሓዋሩ ምስ ኣየንኡ ክልል ከም ዝመሓደር ይውሰን” ይብል።
እዚ እማመ ፈደራል ብወግዒ ብክልቲኡ ክልላት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ትግራይ ግና ነዚ እማመ እቲ ሓደ ተቐቢልዎ እቲ ካልእ ድማ ኣይተቐበሎን ዝብል ምክሳስ እዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ። እቲ ነዚ እማመ ኣይተቐበሎን ዝበሃል ወገን፡ ኩነታት “ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክምለስ ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘንጸባርቕ እዩ። “ንምምላስ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብን ንምምላስ መሬት ዘቐድምን” ዝብሉ መከራኸሪ ሓስባት ከኣ ዘሰሓሕቡ ዘለዉ እዮም።
እቲ ካልእ ዝተመዛበልቲ ንከይምለሱ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ምክፍፋል ተጋሩ ፖለቲከኛታት እዩ። ምኽንያቱ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር ብዝብልከት፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ምይይጥ ሓድነት ስለ ዘየብሉ ክብደት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
እቶም ኣብ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ተመዛበልቲ ዘቕርብዎ መጸዋዕታ ከኣ ብዘይካ “ናብ መረበትና ምለሱና” ብዛዕባቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓንቃፊ ምስሕሓብ ዘቕርብዎ ሓሳብ የለን። ነዚ ሓፈሻዊ ኩነታት ተዓዚቦም፡ ምናልባት ኣብ ትግራይ ናብ ውግእ ሕድሕድ ዘእቱ ምዕባለ ከይፍጠር ዝሰግኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከምዘይግባእ ተሰማሚዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ክንዲ የማነ ገ/ኣብ ዘስነዮ መጋይሽቱን ኣብቲ ስሉሳዊ ኣኼባ
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ፡ ብስም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ፍጹም ተቐባልነት ዘየብሉ እዩ ክብል ምግላጹ ኣህራም ኦንላይ (Ahram Online) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። ሚኒስተር ባድር ነዚ ዝገለጸ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን እዩ።
እቲ ሚኒስተር ዝምድና ሰለስቲአን ሃገራት ጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ቀጻሊ ስሩዕ ኣኼባታት ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎም እውን ኣስፊሩ። ቀጻሊ ኣኼባኦም ኣብ መቃድሾ ከም ዝኸውን ብምጥቃስ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ኣኼባ ከም ዝህልዎም ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መራሕቲ ሰለቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ተኣኪቦም ዝበጽሕዎ ኪዳን ከም ዘተግብሩ ከኣ ሓቢሩ።
ሚኒስተር በድር ዋላኳ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ቅድሚ ሓደ ዓመት በጺሐነኦ ዝነበራ ምርድዳእ ዝጻረር ብዝመልስ፡ “ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ንዝውሰድ ስጉምቲ ንጻረሮ ኢና” እንተበለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ከም መቐጸልታ ናይ ኣንካራ ውዕሎም፡ ዝነበሮም ፍልልይ ከወግዱን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ክመልሱን ምስምምዖም ኣዊጆም እዮም።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ሶማሊያ ተመያይጥና ክብል እንከሎ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምውሓስ ጸጥታ ክልቲአን ሃገራትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም እዮም። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ግብጺ ኣካል ናይቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ክትከውን እያ ክብል እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ተሪር ኣካሉ ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪባ ኣብ ውድድር ስለ ዘላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውሳን ተጸጊምሉ ዘሎ እዩ።
ምስዚ ኣተሓሒዘ ሰለስቲኦም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ። ብናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ ዋላኳ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብስም ሰለስቲኦም እንተወጸ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሶማሊያ ዘካይደኦ ዘለዋ ኢድ ኣእታውነት ዝተንጸባረቐሉ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢስያስ ኣብ ኣስመራ ዘቖሞ ኪዳን ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሓደ ወርሒኳ ከይጸንሐ ዝኹለፍ ዘሎ እዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ከኣ ጉዳይ ሶማሊያ ኢሳያስ ክዝውሮ ዝኽእል ዘይኮነ፡ ብዙሓት ጸለውቲ ወገናት ዝተሰለፍሉ ብምዃኑ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳ፡ ናይ ሓባር ጸጥታአንን ቁጠባአንን ከሕይላን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ክሰርሓን ተሰማሚዐን። እዚ ዝተገልጸ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድን ብ11 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ ብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ።
በቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ምሰረት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ትካላቶም ናብ ዝነበሮ ብምምላስ፡ ናይ ሓባር ኣስተዋጸኦ ዘመዝግብሉን ዞባዊ ምርግጋእ ዘረጋግጽሉን ስረሓት ንክዓሙን ከም ዝተሰማምዑ ኣብቲ ርክቦም ኣረጋጊጾም። ኣብ ኣድላይነት ምርግጋእ ዞባዊ ኩነታት ናይ ሓብር ተረድኦ ንምሕዳር ዝያዳ ክጽዕሩ ምስምምዖም እውን ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ።
እቶም መራሕቲ ኣብ ምሕያል ናይ ሓባር ንግድን ወፍርን፡ ከምኡ ከኣ ናይ ሓባር ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ምምካትን ከም ዝሰርሑ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ንክልቴቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ትሕተ-ቅርጻ ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝሰርሑ ከም ዝተረዳድኡ ኣስፊሮም።
ምስ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ ሓደ ዓመት ወጥሪ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ክዕቅብዎ ድልዋት ምዃኖም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣፍሊጦም።
እዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ብተበግሶ ኢሳያስ ዝፈጠረ “ኪዳን ኣስመራ” ዝብል ስም ዝተዋህቡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምንባሩ ብዙሓት ዝኣምንዎ ውዕል ከም ዝገትኦን ሓድሽ ኣሰላልፋ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ይግመት።
ባህግና Bahgna Media 12.01.2025 ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ ውሳኔ ዶብ፡ ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን
Written by Bahgna MediaMedia
ብወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም ዝተባህለት ኣገልጋሊት ዲክታተር ኢሳያስ፡ ስማዊት “ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ” ዝምራሕ፡ ናይ 2024 መደባተይ ዝግምገምኩሉን ናይ 2025 ዓመታዊ ትልሚ ዝሕንጽጸሉን ሰሚናር ኣካይደ ምባሉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘገረመን ከም ዘቖጠዐን፡ ብዙሓት ኤርትራዊ ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራ ኣንጸባሪቐ።
ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ፍርድን ኣኽበርቲ ሕግን ተሳቲፈምዎ ዝተባህለ፡ ብ9 ጥሪ 2025 ዝተጋበአ ኮንፈረንስ፡ እታ ሚኒስተር ናይ 2025 ትልሚ ስራሕ ኣቕሪባ ተባሂሉ። ኣብቲ ትልማ ብዘይሕፍረት መስርሕ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ፡ ማዕረቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮን ናይ ፍትሒ ባህግን ብዘሳኒ ክዕመም ከም ዝጸንሐ ዝብል ኣብ ባይታ ዘየለ ገምጋም እያ ኣቕሪባ። ንድሕሪት ተመሊሳ ድማ ኣብ ዓመተ-2025 መስርሕ ምሕያል ፍትሕን ምንዳፍ ሓደስቲ ሕግታትን ዝምልከት መደባት ከም ዘለዋ ጠቒሳ። እዚ ድማ ከምቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ህዝቢ ንምዕሻው ዘይትግበር ቃል ዝኣትዎ መደንዘዚ መብጸዓ እያ ኣስሚዓ።
ነዚ ዝተኸታተሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ብኩራት ፍትሒ ዝፈልጡን ኤርትራውያን፡ ኣብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ንዝያዳ 30 ዓመታት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብስ ይትረፍ፡ ኣበይ ተኣሲሮም ከምዘለዉኳ ዘይፍለጡ ከም ዘለዉ ዘኪሮም። እዞም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይፍርዲ ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉላ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ብደዐ ናይ ምስማዕ ድፍረት ከም ዘሕዘኖም ከኣ ጠቒሶም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ፊዚያ ሓሽም ካልእ ገጽ ንዕቀት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕገ-መንግስታዊ መቆጻጸርን ዋሕስን ኣብ ዘየብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ግህሰታት ናይቲ ጉጅለ ይሳቐ ኣብ ዘለወሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ፍትሓውን ፍርዳውን ኣገልግሎት ኣሎ” ምባል ጥራይ ወሲድካ፡ ክሳብ ክንደይ ህግደፍን ኣካላቱን ምስቲ ኤርትራዊ ክውንነትን ዝጻረሩ ምዃኖም ምግንዛብ ዘጸገም ኣይኮነን።
More...
ስነ-ጥበባዊ ነጋሽ ተኪኤ፡ ኣብ ላጉየን ከበሳ ጭዋ ብ1941 እዩ ተወሊዱ። ኣብ 1959 ድማ ክኢላ ትራምፔት ኮይኑ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ኤርትራ ንስነ-ጥበብ ከም ዝጀመሮ፡ ምስ ተለቪዝዮን ኤሪሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነጋሽ ሓደ ካብቶም ናይ 60ታት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ኣብ ምድራፍ፡ ምህርም መሳርሒ ሙዚቃን ዜማታት ኣብ ምውጻእን ክኢላ ምንባሩ ድማ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ እኳ እንተሎ እንምስክሮ እውን’ዩ። ነጋሽ ተኪኤ ክሳብ 4ተ ኣልበም ደርፍታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርኪቱ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንከሎ ድማ፡ “ወይዘሮ ፋና ዘመድ ኩልና፡ ወዮ ትባናስ ሃባና ደንጒኽናና” ከምኡ’ውን “ፍረወይኒ ፍረወይኒ፡ ናፊቐኪ ርኣይኒ” ብዝብሉ ደርፍታቱ ከኣ ዝያዳ ትፈላጥነት ነይርዎ።
ነጋሽ ካብ 1968 ጀሚሩ ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1975 ድማ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ንሜዳ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ፖለቲካውን ትምህርቲ ምውሳዱ ኣባል ክፍሊሙዚቃ ተሓኤ ኮይኑ ብሞያኡ ተመዲቡን ተቓሊሱን። ነጋሽ ነቲ ዝጸንሖ ናይ ዜማ ምውዳድ ክእለት ኣብ ሜዳውን ብምቕጻል፣ ነታ ብንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ዝተደርሰት “ኣይትደልን እያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ” እትብል ህብብቲ መዝሙር ዜማ ዘውጽኤን ካብ ዝተሳተፉ ዘመርትን ድማ ነጋሽ ሓደ ነይሩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ካብ ዝደረፈን ከኣ “ሓምድ ዓዋት፡ ሰምበለይ፡ ዋሕስ ህይወተይ፡ ካባይ ኣይትርሓቒ፡ ወይዘሮ በለጡን ወርሒ ደሚቓን” ዝኣመሰሉ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝግልጽ፡ ክብሪ ሃገርን ከባብን ዘመጉስ ንፍቕርን ስኒትን ዋጋ ዝህብ መዛሙር ይርከብዎም።
ብሱዕድዓረብያ ኣቢሉ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣተወ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝዳሎ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ካብቶም ንተጽዕኖ ህግሓኤ ነጺጎም ኣብ ዕላማ ተጋድሎኦም ጸኒዕም ዝተቓለሱ ሓደ ድማ ነጋሽ ነይሩ። ኣብ ካስል ኣብዝቐጸለ ፈስቲቫል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ’ውን ምስ ስዉእ ኢዮብ ሃይል ንስነ ጥበባዊ ክእለቶም ልክዕ ከምቶም ካላኦት ኣባላት ኣብ ስርሕ ተመዲቦም ዘካይድዎ ዕማማት ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ብናጻን ብወንን ክኢላዊ ኣገልግሎት ካብ ዘበርከቱ እዮም።
እነሆ ድማ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ዕለት 06.2025 ዓሪፉ ዝብል መርድእ ብከቢድ ሓዘንን ስንባደን ሰሚዕና። ነጋሽ ብዝገደፎ ቅርሲ ስነጥበብን ብደቑን እንዳተዘከረ ዝነብር እዃ እንተኮነ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕረፍቱ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” እናበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተሳታፊ ምዃነይ እገልጽ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፓ.ሓ.ኤ ምስ ዞባታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ
8 ጥሪ 2025
ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)፡ ብ5 ጥሪ 2025 ምስ ወክልቲ ዞባ ሽማግለ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን ተራኺቦም አኼባ ኣካይዶም። እዚ አኼባ`ዚ ብሓው ተሰፋይ ወ/ሚካኤል አባል ፈጻሚት ሽማግለ ፖ.ሓ.ኤን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን፥ ከምኡ’ውን ብኣባላት ማ/ መሪሕነት ዝዀኑ ምምሕዳር ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ውደባ. ዝተመርሐ ኰይኑ፡ ንኻልኣይ ዙር ዝግበር ዘሎ ምዃኑ`ዩ።
ኣኼባ፡ ብእንቛዕ ድሓን መጻእኩምን ርሑስ ቅንያት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና ብዝብል ናይ ሰናይ ድሌት መልእኽቲ ክቡር ሓው ተስፋይ ወ/ሚካኤል ኢዩ ተኸፊቱ። ኣኼባ ዝዛረበሉ ዛዕባታት ንምንታይ ዝዓለመ ምዃኑን እንታይ ትጽቢት ይግበረሉን ኣመልኪቱ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። አስዒቡ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ አካይዱ ከምዝነበረ አዛኻኺሩ። ኣብኡ ዝጸደቑ መደብ ዕዮታት ንምትግባር ከኣ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ መደባተን ሰሪዐን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ከምዘለዋ ድሕሪ ምሕባር፥ እዞም ዝስዕቡ ንውዳበታት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝምልከቱ ሰለስተ ዛዕባታት ንምምይጥ ቀሪቦም።
1. ሓበሬታታት ብዛዕባ አቃውማ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት
2. ህልው ኩነታት ዞባ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን
3. ሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ቤት ጽሕፈት ውደባ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን አውሮጳን።
ተሳትፍቲ አኼባ፡ እቲ ዝድለ ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ወከልቲ ክልቲአን ሽማግለታት ዞባታት ህልው ኩነታት ዞባታቶም ኣመልኪቶም ንጹር ስእሊ ከርኢ ብዝኽእል ኣገባብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም። ክልቲኦም ዞባታት ድማ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ስርሓት ኣብ ዝማዕበለ ደረጃ ከሰጋግርኦን ንስጡም ውዳበ ምቹእ ባይታ ክፈጥራ ዝኽእላ ድልዱላት ጨናፍር ክቖማን ዝከኣሎም ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም ቃል አትዮም።
ብቤት ጽሕፈት ውድባ ንሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ዝቐረበ ንድፊ ሓሳባት ዝድለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር፥ ከም ስሉጥ መሳርሒ ኮይኖም ከገልግሉን ንመጻኢ ክትግበሩን ዝበልዎም ኩሎም ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሎም 7 ነጥብታት ዝሓዙ መደባት ኣነጺሮም።
አብ መጨረሻ፡
- ኣብ ናይ ሰለስተ ኣካላት ውድባትና ዝጸንሐ ልምድታት/ባህልታት ክቀራረብን ክወሃሃድን ልዑል ጻዕርን ምርብራብን ክግበር፥
- ነፍስወከፍ ኣባል አብ ኩሉ ጽፍሒ ተወዲቡ ዝቃለስ ንቻርተር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ.) ብግቡእ ተረዲእዎ፡ ብእኡ መጠን ድማ ክሰርሓሉ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባኡ ዛዚሙ።