ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሚኒስተራት ቀያይሩ

2024-05-20 20:54:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 332 times

ዶር  ኣብርሃም በላይን ኢንጅነር ዓይሻ መሓመድን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ20 ጉንበት 2024፡ ኣብ ክንዲ ዶር ኣብርሃም በላይ ንኢጅነረ ዓይሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ገይሩ ከም ዝመዘዛ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን። ዶር ኣብይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው ሚኒስተር ምክልኻል ክቕይር ን6ይ ግዜ ክኸውን እንከሎ ኢንጅነር ዓይሻ ናብዚ ሓላፍነትዚ ክትምዘዝ እንከላ ሓዳስ ዘይኮነት ን2ይ ግዜአ እዩ። ኢንጀነር ዓይሻ መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሚኒስተር ምክልኻል ክትከውን እንከላ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብይ ኣሕመድ  ስልጣን ምስ ሓዘ ናብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝመዘዝን 20 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ  እያ። ዓይሻ ቅድሚ ሕጂ ሚኒስትሪታት፡ ባህልን ኮንስትራኽሽንን እውን በብግዜኡ መሪሓ እያ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረን ኣቐዲሙ፡ ሚኒስተር ሳይነሳዊ ምህዞን ተኽኖሎጅን ዋና ኣመሓዳሪ ሓይሊ መብራህትን ከምኡ ድማ ኣብ ግዜ ውግእ ዋና ኣማሓዳሪ ትግራይ ኮይኑ ዝሰርሓ ዶር ኣብርሃም በላይ፡ ናብቲ ናይ ቅድም ናይ ኢንጅነር ዓይሻ መሓመድ ቦታ ሚኒስትሪ፡ መስኖን ከባቢታት ቆላን ኮይኑ እዩ ተመዚዙ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምኽንያት ናይቲ ዘካየዶ ምቅይያር ኣይገለጸን። ነቲ ኩነታት  ብቐረባ ዝከተተልዎ ወገናት ከም ዝግምትዎ ግና፡ ዶር ኣብርሃም በላይ ኣብ ምምላስ ካብ ራያን ወልቃይትን ዝተመዛበሉ ወገናት ብዝነበሮ ናይ ምክልኻል ሚኒስተርነት ተጠቒሙ ናብ ትግራይ ብምድላዉ ብኣምሓራ ስለ ዝተኸሰ እዩ ተቐይሩ ክብሉ ይስምዑ’ለዉ። ብዘይካዚ ዶር ኣብርሃም ካብቶም ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ነይርዎም ዝበሃሉ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እውን ናይቲ ምቅይያራ ጠንቂ ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ።

ብሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ምኽንያቱ ኣሰንዩ ሕጹይ ናብ ፓርላም ኣቕሪቡ ሚኒስተር የሽይም ዝብልኳ እተኾነ፡  ዶር ኣብይ ግና ብናቱ ውሳነ እዩ ሚኒስተራት ዘደይብን ዘውርድን።

Last modified on Monday, 20 May 2024 23:19