ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግናን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መስርሕ ምምዝጋብ ወዲኣ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ከይረኸበት ናብ መበል 14 ጉባአኣ እንተኣትያ፡ ኣብ ቀጻሊ ምርጫ ክትሳተፍን መንግስቲ ክምስርትን ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ዘፍለጠ ብ22 ሓምለ 2024 ምስ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ህልዊ ኩነታት ህወሓት ብዝምልከት ብተሳተፍቲ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እዩ።

ኣብቲ ሰፊሕ መብርሂኡ፡ ቅድሚ ሕጂ ትግራይ ብደረጃ ኢትዮጵያ ምርጫ ተናዊሑ ክነሱ፡ ነቲ ምንዋሕ ኣይንቕበልን ብምባሎም ዘይሕጋዊ ምርጫ ብምክያዳ  ሽግር ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ሎሚ ግና ክድገም የብሉን ኢሉ። መራሕቲ ህወሓት በዚ ጀሚርዎ ዘለዉ መስርሕ ምምጋብ ከየማልኡ ናብ ጉባአ እንተኣትዮም እቲ ቀዳማይ ዝጉዳእ ከም ውድብ ህወሓት እያ፡ ድሕሪኡ ዝጉዳእ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ፡ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ዝጠቅም ኣይኮነን ኢሉ። ስለዚ ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዶም ደጋጊሞ ይሕሰሉ ክብል ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣስታት 1030 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ካድራትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት 11 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ዳርጋ ብናይ ርኢቶ ፍልልይ ከም  ዝዛዘሙ ሕያሎ ካብቶም ተሳተፍቲ ይገልጹ ኣለዉ።  ኣብ መወድእታ ኣኼባ፡ እቲ ካብቲ ሕጋዊ ግዜኡ 4 ዓመታት ከም ዝሓለፎ ዝንገረሉ መበል 14 ጉባአ ናይ ህወሓት  ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ክካየድ ብብዝሒ ድምጺ ወሲኑ። ናይ ህወሓት ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ወሃቢ ቃልን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስፋ ብወገኑ ድሕሪቲ ውሳነ ናይቲ ኣኼባ ምስ ልሳናት ናይቲ ውድብ ኣብ ዝግበሮ ርክብ፡ ጉባአ ንምክያድ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ፈቓድን ተዓዛብነትን ከይተጸበዩ ጉባአ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ። እዚ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሓውሲ መጠንቀቕታ ዘረባ ንከስምዕ ዝገደዶ እዚ ናይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣበሃህላ ምዃኑ ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ካብታ ውድብ እውን ኣኼባ ክካየድ ዘይድግፍ ወገን ከምዘሎ ይንገር እዩ።

እዚ ኣብ ርእሲቲ ናይ ራያ፡ ጸለምትን ወልቃይትን ወጥሪ ዝውስኽ ዘሎ፡ ብወገን ህወሓት “ከም ሓድሽ ምምዝጋብ ከየድለየኒ ዝነበረኒ ደረጃ ይመለሰለይ” ዝብል ሓሳብ ከተቕርብ እንከላ፡ ብወገን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ድማ “ተሰሪዝኩም ስለ ዝጸናሕኩም ከም ሓድሽ ዝተሓተትኩምዎ ቅድመ-ኩነት ኣማሊእኩም ኢኹም ትምዝገቡ” ዝብል ተጻራሪ ርኢቶ ስለ ዘለዎ እዩ። ከምቲ ቦርድ ምርጫ ዝብሎ ዘሎ እንተኮይኑ፡ ህወሓት  በይና ኮነ ከም ኣባል ኢህወደግ ዘጥረየቶ ንብረትን ገንዘብን ናይ ዘይምምላስ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል’ዩ።

ኣቦመንበር ህወሓት ዶር ደብረጽዮን ገበረሚካኤል

ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል  ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሓቢሮም ንትግራይ ዝወግኡዋ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን በቲ  ከም ዝተፈጸመ ብዙሓት ዝእምንሉ ህልቂት ሰባት (Genocide) ክሕተቱ ዝግበኦም እዮም ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገኑ ዝተፈጸመ ህልቂት  ኢሎ ኢሉ ከምዘያምን ጠቒሱ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ክሕተት  ድልዎ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ብ16 ሓምለ 2024 ምስታ ሬድዮ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ኣስታት 600 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ድማ ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ።

ኣብቲ ግዜ ውግእ ፕረሲደንት ክልል  ትግራይ ዝነበረ ዶር ደብረጼን፡ እቲ ውግእ ብ2 ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሮተርያ ጠጠው ስለ ዝበለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ዝስማዕ ተኹሲ የለን ኢሉ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረብቶም ስለ ዘይተመለሱን ቅድሚ ውግእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ መሬት ብሉእ ብምሉእ ካብ ኢድ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ናጻ ብዘይምውጽኡ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን ከም ዝበለ እታ ሬድዮ ኣፍሊጣ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበሩ ዝግበኦም ዝነበሩ ምምላስ ተመዛበልትን ዕጥቂ ዝፈትሑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መሊስካ እግሪ ምትካልን፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንድቲ ዝድለ እኹል ፋይናንሳዊ ሓገዝን ምትሕግጋዝ ስለ ዘይተረኽበ ኣይተተግበሩን ኢሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ካብ ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ኣብ ራያን ጸለምትን ምምላስ ጀሚሮም ከም ዘለዉን እቲ ስርሒት ኣብ ወልቃይት-ሑመራ ንክቕጽል መደብ ከም ዘሎን ይሕበር ኣሎ።

ክልል ትግራይ ኣብቲ ብ9 ሓምለ 2024 ብማእከልነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብተሳትፎ ኣካላት ክልል ትግራይ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ተዓዘብትን ዝተኻየደ 2ይ ዙር ምግምጋም ኣተገባብራ ውዑል ፕሪቶርያ ኣብ ትካላት ፌደራላዊ መንግስቲ ውክልና ክህልዋ ከም ዝሓተተት ብ14 ሓምለ 2024 ዝተሓትመት ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ሪፖርተር፡ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ሕቶ ኣብ ዝቕጽል ናይ ሓባር ዘተ  ክትግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ብ11 ሓምለ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንውክልና ኣብ ትካላት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሕቶ ከም ዘቕረበ ተኣሚኑ፡ ኣብ ርእሲኡ ናይ ቅድም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ እሞ  ውግእ ምስተጀመረ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብፈደራል ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ክፍትሑን ክሳብ ሕጂ  ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናብ ንቡር ቦተኣ ዘይምምላስን  ዝምልከት  ከም ዝሓተተ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደን ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2024 ክቕጽል ቆጸራ ተታሒዝሉ ዘሎ ገምጋሚ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ካለኦት ጉዳያት ከም ዝተመያየጠ እውን ተፈሊጡ። ካብቶም ዝተመያየጠሎም ካለኦት ኣጀንዳታት ምምላስ ዝተመዛበሉ ተጋሩ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ክቕጽል፡ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ካብ ትግራይ ዘይወጹ  ዕጡቓት ክወጹ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ፈቲሑ ዝጣየሰሉ ኩነታት ክፍጠር ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዘለዉ እሞ ኣብታ ሃገር ይካየድ ብዘሎ ውግእ ዝተጸገሙ ተጋሩ ስደተኛታት ብዛዕባ ዝምለስሉ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኮነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ውክልና ሰለ ዘየብላ ጽባሕ በቲ ኣብ ዘይህልውነኣ ዝጸድቕ ዘሎ ዋጃት ክትቅየድ ክትግደድ እያ። በቲ ካልእ ወገን እቲ ህወሓት ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሳዶ ዝተወርሰ ገንዘባ፡ ንብረታን ካልእ ጸጋታትን ይምለሰሉ ወይ ከም ሓድሽ “ሀ” ኢላ ትመዝገብ ኣይነጸረን ዘሎ። እዚ ዘይንጹርነት ምክያድ መበል 14 ጉባአኣ ከይተካይድ ዕንቅፋት ከይኮና ከኣ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

EPF Headed Paper

 

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ  ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምልከት ኢዩ።

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ6 ሓምለ 2024 ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላቱ ኣካይዱ። ነቲ ኣኼባ ዘሳሰዩ ካብ 3 ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝቖሙ ኰይኖም ብዋና ኣሳሳዪነት ናይ ሓፍትና ኣድያም ተፈራ ኢዩ ተመሪሑ። ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ኩሎም ሰማእታት ኤርትራ ኢዩ ተኸፊቱ።

News Report on EPF Members Meeting

ሓፍቲ ኣድያም ንኹሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መጻእክንን ቃል ድሕሪ ምቕራብ፥ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኩሎም ኣባላት ኣኼባ ተገይሩ ምንባሩ ዘኪራ። እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ ነሓሰ ንዝግበር ፈላሚ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) እሂን ሚሂን ንምብህሃል ከምዝዀነ ሓቢራ። ድሕሪ’ቲ ብኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዝውሃብ መግለጺታት ድማ ናይ ሕቶ፥ መልስን ርእይቶን ዕድላት ንተሳተፍቲ ክውሃብ ምዃኑ ብምሕባር ንኣቦ መንበር ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ መግለጺኡ ክህብ ናብ መድረኽ ዓደመቶ።

ኣቦ መንበር ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ናይ ሰላምታ መልእኽቱ ድሕሪ ምትሕልላፍ፥ ሕጂ ካብ ምስንዳእን ምውህሃድን ናብ ምቛም ሰፊሕ ጽላል ንሰጋገር ስለዘሎና ዮሃና ብምባል ሓጐሱ ገሊጹ። ነቶም ካብ ኣውስትራልያ ዝተሳተፉ ኣባላት ድማ ኣብ ናይ ድቃስ ሰዓታቶም ስለዝነበረ ንዝገበርዎ ተሓባባርነት ፍሉይ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ ኩነታት ሃገርና ውግእ፡ ሞት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ምፍንቃል፡ ሕሰምን ሕማቕ መነባብሮን ኰይኑ ምህላዉ ኣስሚርሉ። ኣህዛብ ጐረባብትና ሃገራት ዝዀና ሱዳንን ኢትዮጵያን ውን ብተመሳሳሊ ቅልውላዋት ይሳቐ ምህላዉ ገሊጹ። ፈታዊትና ዝዀነት ሃገር ሶማልያ ውን፡ ኣብ ዘይዛሪ ናይ ዘይምርግጋእ ኩነታት ከምዘላ ጠቒሱ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ዘካየድናዮ ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላት ፖ.ሓ.ኤ ሓደ ካብ ዝቐረበ ለበዋ እዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ናይ ምውህሃድ ስራሕ ንድሕሪት ከይምለስ ዝምሕጸን ናይ ስግኣት ለበዋታት ከምዝነበረ ዘኪሩ። ሎሚ ነቲ ዝጀመርናዮ ስራሕ ንምዝዛም ሓንቲ ወርሒ ጥራሕ ኢያ ተሪፋትና ዘላ ብምባል ድማ ትስፍው ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ እነካይዶ ዋዕላና  ከመይነት ኣሰታትፋና ውዱእ ኢዩ፥ ናይ ዋዕላ ሰነዳትና ማለት ቻርተር፡ ቅዋምን መርሓ ጐደናን ተጻፊፉ ተነዲፉ ተዳልዩ ኣሎ ኢሉ።

ኣስዒቡ ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዓርቢ ዓርቢ እናተራኸበ  ብድምር 20 ኣኼባታት ኣካይዱ፡ ሓንቲ ዓርቢ ጥራሕ ኢዩ ከይተኣከበ ሓሊፉ ብምባል ድማ ንስርሓት ላዕለዋይ ኣሰጋጋሪ ኣካል ኣድኒቑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነፍስወከፍ ቤት ጽሕፈት ዘካይዶ ኣኼባታትን ካልእ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝግበር ርክባትን ክውሰኾ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ኣህላኺ ጻዕርታት ከምዝተኻየደ ዝእምት ምዃኑ ጠቒሱ። በዚ ድማ ንኹሎም መሳርሕተይ ከመስግኖም እፈቱ ኢሉ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ሰነዳት ንምጽፋፍ ዝቖማ ሰለስተ ኮሚቴታት ውን ዝገበርኦ መዘና ዘይብሉ ጻዕሪ መዘና ብምዝካር፡ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ኣኼባታት የካየዳ ነይረን ብምባል መጐሱን ኣዳናቖቱን ገሊጹ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እቶም ንምቛም ሰፊሕ ጽላል እንምርኰሰሎም መሰረታውያን መትካላት 4 ምዃኖም ገሊጹ። ንሳቶም ከኣ፦

1. ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ምውዳቕ፥

2. ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፥

3. ልዑላውነት መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ኤርትራ ምኽባር፥

4. ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር ኢዩም ኢሉ።

ኣብ መዛዘሚ መግለጺኡ ድማ፡ ድሕሪ ዋዕላ ክሕወሱና ንጽበዮም ፖለቲካዊ ኣካላት ኣለዉ ኢሉ። ንሳቶም ከኣ፡ ብቐዳምነት እቲ ምሳና ሓቢሩ ክሰርሕን ኣብ ምስንዳእ ኩሎም ሰነዳትናን ስርሓትናን እተሳተፈ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን (ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ)፡ ከምኡ’ውን፡ ድሒርና ዝርርብ ዝጀመርና 2 ውድባትን 9 ማሕበራት ዝሓቘፈ  ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን (ኤ.ል.ዲ.ለ) ክሕወሱና ብተስፋ ንጽበዮም ኣሎና ኢሉ። ኣብ ርእስ’ዚ ካብ ኣሳላጢት ኣካል ንምቛም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ዝመጸና መልእኽቲ ኣሎ መልስና ድማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ክንህቦም ኢና ኢሉ። እቲ ዓቢ ቁም-ነገር ካብ’ዚ ዝሓለፈ ተመኩሮና ናይ ምውህሃድ ዝተማሃርናዮ ድማ፡ ምድምማጽ፡ ምጽውዋርን ንዘጋጥሙና ብህዱእ መንፈስ ሓሳባትናን ርእይቶታትናን ብግልጽነት ብምልውዋጥ መፍትሒታት ምርካብን ኢዮም። እዞም ክብርታት’ዚኣቶም ድማ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ሓደ ጽላል ጒዕዞና ክንዕቅቦም ከምዝግብኣና ኣስሚርሉ።

እቲ ካልኣይ ካብ ኣባላትና ኣብ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣኼባና ዝቐረበ ለበዋ ኣብ ህዝባዊ መራኸቢታት (Mass Media) ወጺእና ክንዛረብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብዙሕ እኳ እንተዘይኰነ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ረድዮ ኤረናን ረድዮ መስከረም 61ን ወጺእና መግለጺታት ሂብና ኢና ኢሉ።

ብድሕር’ዚ ሓለፍቲ ናይዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈታት በብተራ መግለጺታቶም ኣቕሪቦም።

1. ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ፦ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፥

2. ሓው ዮውሃንስ ኣስመላሽ፦ ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማስን መጽናዕትን፥

3. ሓው እስማዒል ገባይታ፦ ሓላፊ ክፍሊ  ዜና

4. ሓው ካሕሳይ ጉፍላ፦ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን

5.  ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ፡- ሓላፊ ክፍሊ ምልዕዓል

ጽሟቕ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ድማ፦

1. ናይ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈትን እተን 4 ክፍልታትን ነናተን ምምሕዳራት ከምዘቖማ፥

2. ናብ ናይ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ናብ ሕብረት ኣውሮጳን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያን መልእኽቲ ከምዝተጻሕፈ። እቲ ጽሑፍ ብስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ብዝርዝር፥

3. ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን፥

4. ፓ.ሓ.ኤ፡ ኤ.ል.ዲ.ለን ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ብሓባር ን3 መዓልታት ዝቐጸለ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ከምዝተለሙን፥ ኣብ ምፍጻሙ ግን፡ ወኪል ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጸገማት ሃገራዊ ባይቶ ክሳተፍ’ኳ ኣይኽኣል እምበር፡ ነቲ ዝተገብረ ርክባት ግን ድጋፉ ገሊጹ ኢዩ። ኣብ’’ዚ ወፍሪ ዝተራኸብናዮም ኣካላት ብጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነጥፉ ሰበ-ስልጣን ወጻኢ ጉዳያት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተሓለቕቲ ማሕበራትን ናይ ሰላም ትካላትን ኢዮም ነይሮም። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ ንዝገበረልና ምትሕብባር ነመጉስ ኢሎም፥

5. ዝተለምናዮም ናይ ስራሕ መደብ ዝተፈጸሙን ዘይተፈጸሙን ኣለዉ ተባሂሉ፥

6. ንጉባኤናን ምስኡ ዝተሓሓዝ ወጻኢታት ንምሽፋን ነፍስወከፍ ኣካል ናይ ፖ.ሓ.ኤ ክኸፍሎ ዝተሰልዓሉ ዓቐን ኣታዊ ገይሩ ምህላዉ፥

7. ኣብ መንጐ እተን ክፍልታት ምትሕብባር ዝሓትት ዕማማት ከምዝነበረን ኣብ መጻኢ’ውን ክህሉ ምዃኑን፥ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዝምልከት ኣፈናዊ መጽናዕቲ ክግበር ከም መደብ ተታሒዙ ምህላውን

ተሓቢሩ፥

8. ኣብ መዳይ ህዝባዊ ምልዕዓል ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምቕራብና ብዛዕባ ስርሓትና ዝምልከት ሓደ ተረድኦ ንኽህሉ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝተኻየደ። ብድሕር’ዚ ብሓባራዊ ተረድኦና ንመራሕቲ ዞባታት ኣኼባ ኣካይድና። መራሕቲ ዞባታት ድማ ነቲ መልእኽቲ ናብ ጨናፍሮም ኣብጺሖሞ። በዚ ድማ፡ ኣብ ኩለን ክፋላት ናይ ዓለምና ዝርከቡ ኣባላት ፖ.ሓ.ኤ  እቲ መልእኽቲ በጺሑ ኣሎ ማለት ኢዩ።

9. ኣብ ሰፊሕ ኣኼባ ናይ ኣባላት፡ ዕማማት ናይ ምውህሃድ መድረኽ እንታይ ምዃኖም ከምዝበርህ ተገይሩ፥

10. ሕጂ ድማ፡ ናይ ምውህሃድ ዕማማትና ብግቡእ ዛዚምና ናብ ናይ ሓባር ጽላልን ኣመራርሓን እነቑመሉ መድረኽ ንሰጋገር ኣሎና ኢሎም፥

11. ኩሉ’ቲ ዝተለምናዮ እኳ እንተዘይፈጸምናዮ፡ ዝከኣለናን ማዕረ ዓቕምናን ዝዀነ ዕማማት ኣሰላሲልና ኢና፥

12. ጉባኤና ብዓወት ክዛዘም ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ሓላፍነት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ፥

13. ድሕሪ ምዝዛም ዋዕላና ውጽኢታቱ ንህዝቢ ንምሕባር ፈስቲቫል ኣብ ፍራንክፈርት ተዳልዩ ኣሎ ዝብል ነይሩ።

ኣብ መደምደታ፡ መድረኽ ንሕቶ፡ ርእይቶን ለበዋታትን ተኸፊቱ። ኣባላት ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ ንዝቐረበሎም ሕቶ እናተሓጋገዙ መልስታቶም ሂቦም። ንዝቐረቡሎም ለበዋታት ድማ ተቐቢሎም። ከምኡ’ውን፡ ንኹሎም ተሳተፍቲ ብሓበራ፡ ንሓው ግርማይ ዘሚካኤል ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ውድቡ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ናይ ተቓውሞ እናተረኽበ ከይሰልከየ ካብ ትግርኛ ናብ ዓረብኛ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ዝፈጸሞ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም መጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜና

6 ሓምለ 2024  

ጅቡቲ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ገዛኢ ሰልፊ ኩልምየ ሶማሊላንድ ፈቒዳቶ ዝነበረት ፓስፖርትታት ከም ዝሰሓበት ተሓቢሩ። ጅቡቲ ካብ መርበባ ዝሰረዘቶ ሓለፍቲ ሶማሊላንድ ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ፓስፖርትታት ኣስታት 100 ከም ዝኾነ እውን ተፈሊጡ።

ገዛኢ ሰልፊ ሶማሊላንድ ኩልምየ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ናይ 3 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ፓስፖርት ጅቡቲ ብቐጻሊ  እዩ ክጥቀም ጸኒሑ። ካብዚ ሓሊፉ ንቤተሰብ  ላዕለዎት ሓለፍትን ደገፍቲ ናይቲ ሰልፍን እውን እዚ ናይ ጅቡቲ ፖስፖርት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ። ጅቡቲ እዚ ናይ ፓስፖርት ምስራዝ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍትን ቤተሰብን ፕረሲደንት ሙሰ ጥራይ ድያ ክትድርቶ ወይ ነቲ ብዙሓት ተራ ደቂ ሶማሊላንድ ሒዘምዎ ዘለዉ ከጠቓልል እዩ ዝተፈልጠ የለን።

ኣብ መንጎ ጅቡትን ሶማሊላንድን ምስሕሓብ ካብ ዝጅምር ጅቡቲ ተጽዕኖኣ ንምሕያል ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክትወስድ ከም ዝጸንሐት እውን ይፍለጥ።

ጅቡትን ሶማሊላንድን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምፍጣጥ ዘምጸአን ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ቁጠባ እዩ። እዚ ድማ ጅቡቲ ኣብ ዞባና ብኣገልግሎት ወደብ  ዝያዳ ተጠቃሚት ኣብ ዝኾነትሉ፡  ወደብ በርበራ እናሰፈሐ ምምጽኡ ስግኣት ከሕድረላ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብ1 ጥሪ 2024 ዝተኸተመ ንኣገልግሎት ወደብን ምምስራት መደበር ሓይሊ ባሕርን ኢትዮጵያ ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ጅቡቲ ከም ዘሰንበዳ ክትጠቅስ ጸኒሓ እያ።

ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብመንጎኝነት ጅቡቲ ምስ መቃድሾ ንክዕረቕ ኣብ ቆጸራ እንከሎ፡ ሃንደበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ  ናይ ጅቡቲ ዕዳጋ ንምውሳድ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምፍራሙ ጅቡቲ ከም ጥልመት ክትገልጾ ዝጸንሐት እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ ሶማሊላንድ በቲ ሓደ ወገን ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ዘይምዕዋቱ በቲ ካልእ ድማ ምስ ጅቡቲ ኣብ ቅርሕንቲ ብምእታዋ ከሳሪት ኮይናላ።

ኣብዚ ዞባዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ በዚ ጀሚራቶ ዘላ እንተቐጺላ፡ ምስ በዓል ግብጺ፡ ኤርትራን መቃድሾን ክትስራዕ እያ። እዚ ኣሰራርዓ ነታ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ጅቡቡት ካልእ ናይ ወደብ ምርጫ ዘየብላ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ቀሊል  ኣይክኸውንን እዩ።

Poster Festival 2024

Tuesday, 02 July 2024 09:51 Written by

ቀዳም 22 ሰነ 2024 መብዛሕትአን ኣባላት ዝተሳተፈኦ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ጉባኤ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ተኸፊቱ’’ ሓፍቲ ኣድያም ነቲ ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ማለት 14 ሕዳር 2020 ክሳብ ሕጂ ክሰርሕ ዝጸንሐ መሪሕነት ድሕሪ ምምስጋን ንብድሕሪ ሕጂ’ውን እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ዝሓየለን ዝበለጸን ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ መድረኽ ንዝጸንሐ መሪሕነት ኣረኪባ።

ቀጺሉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ተመርኲሱ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሽ ድሕሪ ምግባር ቅዋም ምትእስሳር ኣጽዲቑ።

ስዒቡ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝተመዝገበ ዓወታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ብዝርዝር ጉባኤ ተመያይጡ ብምሉእ ድምጺን ዕግበትን ኣጽዲቑዎ። ብድሕሪ’ዚ ክሳብ ዝመጽእ ጉባኤ ንእርባዕተ ዓመታት ትመርሕ ብሰለስተ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕቲን ዝቖመት መሪሕነት መሪጹ። ሓላፍነታት መሪሕነት ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡

  1. ኣደ መንበር
  2. ዋና ጸሓፊት
  3. ተሓዚት ገንዘብ
  4. ተጠባባቒት
  5. ተጠባባቒት

ጉባኤ ንዝነበረ መሪሕነት ኣመስጊኑ ንሓዲሽ መሪሕነት ድማ ምሉእ ደገፍ ክበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብዘይካ’ዚ ሰልፍና ኣብ ሃገርና ፍትሒን ሰላምን ንምንጋስ ሓይልታት ተቓዉሞ ተጠርኒፉ ናይ ሓባር ጽላል ክተክል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ሰልፍና ዝጻወቱ ዘሎ ተራ ኣሞጒሱ። ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ኰይና እተበርክቶ ዘላ ኣወንታዊ ግደ ድማ ንኢዱ።

ኣብ መደምደምታ መትከላትን ዕላማታትን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ንምዕዋት ሕኑን ቓልስን ጽዓትን ከካይድ ምዃኑ ብምንጻር ጉባኤ ተደምዲሙ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ

ሰነ 22 2024

ጋዜጠኛታት፡ በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴድሮስ ዘርፉን

በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴዎድሮ ዘርፉን ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ናይ ግሊ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ማእሰርቲ፡ ብ17 ሰነ 2024 ከም ዝተፈትሑ መርበብ ኢትዮ-ኢንሳይደር ሓቢራ። እዞም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምእሳሮም፡ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ፡ ብምጥቃስ ንመንግስቲ ምስ ከሰሱ እዮም  ብፖሊስ ተፈቲሖም።

በቃሉ ኣላምረው፡ መስራትን ኣመሓዳርን “ኣልፋ መዲያ፥ በላይ ማናየ ሪፖርተር “ኢትዮ-ኒውስ” ከምኡ ድማ ቴድሮስ ዘርፉ ጋዜጣኛ “ምነሊክ-ቲቪ” እዮም። እዞም ጋዜጣኛታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣዋጀ ሰዓት እቶእቶ ኣብ ክልል ዓፋር “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝጸንሑ እዮም።

እዞም ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ደጊፍኩም ብዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዝፍትሑ ዘለዉ ከኣ እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ናይ  እገዳ ግዜ ካብ ዝሓልፍ ድሕሪ 10 መዓልታት እዩ።

በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ-መድያ” ናይ ዝተባህለ መድያ፡ ደሓር ከኣ ናይ “ኣልፋ-ተለቪዥ” መስራትን መራሕን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ  ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብቲ  ውግእ ርትዓውን እዋኣንውን  መደባት ብምቕራብ ዘቃልዕ ዝንነበረ ተባዕ ጋዜጠኛ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቶም ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይካ ሓሳብ ህዝቢ ምንጽብራቕ፡ ካልእ ገበን ዘይነበሮም 16 ኤርትራውያንን ጋዜጠኛታት፡ ምስተኣስሩ ክሳብ ሎሚ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ብዛዕባ ሃለዋቶም እውን ሓበሬታ ኣብ ዘየብሉ ምዃኑ ኣዝዩ የሕዝን።