ብወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም ዝተባህለት ኣገልጋሊት ዲክታተር ኢሳያስ፡ ስማዊት “ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ” ዝምራሕ፡ ናይ 2024 መደባተይ ዝግምገምኩሉን ናይ 2025 ዓመታዊ ትልሚ ዝሕንጽጸሉን ሰሚናር ኣካይደ ምባሉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘገረመን ከም ዘቖጠዐን፡ ብዙሓት ኤርትራዊ ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራ ኣንጸባሪቐ።
ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ፍርድን ኣኽበርቲ ሕግን ተሳቲፈምዎ ዝተባህለ፡ ብ9 ጥሪ 2025 ዝተጋበአ ኮንፈረንስ፡ እታ ሚኒስተር ናይ 2025 ትልሚ ስራሕ ኣቕሪባ ተባሂሉ። ኣብቲ ትልማ ብዘይሕፍረት መስርሕ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ፡ ማዕረቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮን ናይ ፍትሒ ባህግን ብዘሳኒ ክዕመም ከም ዝጸንሐ ዝብል ኣብ ባይታ ዘየለ ገምጋም እያ ኣቕሪባ። ንድሕሪት ተመሊሳ ድማ ኣብ ዓመተ-2025 መስርሕ ምሕያል ፍትሕን ምንዳፍ ሓደስቲ ሕግታትን ዝምልከት መደባት ከም ዘለዋ ጠቒሳ። እዚ ድማ ከምቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ህዝቢ ንምዕሻው ዘይትግበር ቃል ዝኣትዎ መደንዘዚ መብጸዓ እያ ኣስሚዓ።
ነዚ ዝተኸታተሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ብኩራት ፍትሒ ዝፈልጡን ኤርትራውያን፡ ኣብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ንዝያዳ 30 ዓመታት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብስ ይትረፍ፡ ኣበይ ተኣሲሮም ከምዘለዉኳ ዘይፍለጡ ከም ዘለዉ ዘኪሮም። እዞም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይፍርዲ ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉላ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ብደዐ ናይ ምስማዕ ድፍረት ከም ዘሕዘኖም ከኣ ጠቒሶም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ፊዚያ ሓሽም ካልእ ገጽ ንዕቀት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕገ-መንግስታዊ መቆጻጸርን ዋሕስን ኣብ ዘየብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ግህሰታት ናይቲ ጉጅለ ይሳቐ ኣብ ዘለወሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ፍትሓውን ፍርዳውን ኣገልግሎት ኣሎ” ምባል ጥራይ ወሲድካ፡ ክሳብ ክንደይ ህግደፍን ኣካላቱን ምስቲ ኤርትራዊ ክውንነትን ዝጻረሩ ምዃኖም ምግንዛብ ዘጸገም ኣይኮነን።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፓ.ሓ.ኤ ምስ ዞባታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ
Thursday, 09 January 2025 12:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ
8 ጥሪ 2025
ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)፡ ብ5 ጥሪ 2025 ምስ ወክልቲ ዞባ ሽማግለ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን ተራኺቦም አኼባ ኣካይዶም። እዚ አኼባ`ዚ ብሓው ተሰፋይ ወ/ሚካኤል አባል ፈጻሚት ሽማግለ ፖ.ሓ.ኤን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን፥ ከምኡ’ውን ብኣባላት ማ/ መሪሕነት ዝዀኑ ምምሕዳር ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ውደባ. ዝተመርሐ ኰይኑ፡ ንኻልኣይ ዙር ዝግበር ዘሎ ምዃኑ`ዩ።
ኣኼባ፡ ብእንቛዕ ድሓን መጻእኩምን ርሑስ ቅንያት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና ብዝብል ናይ ሰናይ ድሌት መልእኽቲ ክቡር ሓው ተስፋይ ወ/ሚካኤል ኢዩ ተኸፊቱ። ኣኼባ ዝዛረበሉ ዛዕባታት ንምንታይ ዝዓለመ ምዃኑን እንታይ ትጽቢት ይግበረሉን ኣመልኪቱ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። አስዒቡ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ አካይዱ ከምዝነበረ አዛኻኺሩ። ኣብኡ ዝጸደቑ መደብ ዕዮታት ንምትግባር ከኣ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ መደባተን ሰሪዐን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ከምዘለዋ ድሕሪ ምሕባር፥ እዞም ዝስዕቡ ንውዳበታት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝምልከቱ ሰለስተ ዛዕባታት ንምምይጥ ቀሪቦም።
1. ሓበሬታታት ብዛዕባ አቃውማ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት
2. ህልው ኩነታት ዞባ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን
3. ሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ቤት ጽሕፈት ውደባ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን አውሮጳን።
ተሳትፍቲ አኼባ፡ እቲ ዝድለ ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ወከልቲ ክልቲአን ሽማግለታት ዞባታት ህልው ኩነታት ዞባታቶም ኣመልኪቶም ንጹር ስእሊ ከርኢ ብዝኽእል ኣገባብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም። ክልቲኦም ዞባታት ድማ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ስርሓት ኣብ ዝማዕበለ ደረጃ ከሰጋግርኦን ንስጡም ውዳበ ምቹእ ባይታ ክፈጥራ ዝኽእላ ድልዱላት ጨናፍር ክቖማን ዝከኣሎም ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም ቃል አትዮም።
ብቤት ጽሕፈት ውድባ ንሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ዝቐረበ ንድፊ ሓሳባት ዝድለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር፥ ከም ስሉጥ መሳርሒ ኮይኖም ከገልግሉን ንመጻኢ ክትግበሩን ዝበልዎም ኩሎም ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሎም 7 ነጥብታት ዝሓዙ መደባት ኣነጺሮም።
አብ መጨረሻ፡
- ኣብ ናይ ሰለስተ ኣካላት ውድባትና ዝጸንሐ ልምድታት/ባህልታት ክቀራረብን ክወሃሃድን ልዑል ጻዕርን ምርብራብን ክግበር፥
- ነፍስወከፍ ኣባል አብ ኩሉ ጽፍሒ ተወዲቡ ዝቃለስ ንቻርተር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ.) ብግቡእ ተረዲእዎ፡ ብእኡ መጠን ድማ ክሰርሓሉ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባኡ ዛዚሙ።
ኣዘርባጃን ሰለስተ ባንደራኣ ዘምበልብላ ዝነበራ ጃላቡ ብሓይልታት ኤርትራ ስለ ዝተታሕዛኣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ከም ዘቕረበት ሮይተርስ ሓቢራ። ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣዘርባጃን ኣይዛን ሃጂዛዳ ብ8 ጥሪ 2025 ብዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 እየ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተታሒዘን።
ወሃቢ ቃል ኣይዛን ሃጂዛዳ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብተን ብ7 ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ ጃላቡ ብጠቕላላ 18 ሰባት ከም ዝነበሩን ኩሎም ኣዘርበጃውያን ከም ዝኾኑን ኣፍሊጡ። እተን ጀላቡ ብመትረብ ስዊዝ ኣቢለን ናብ ኣቡዳቢ እናተጓዕዛ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ምስ ኣተዋ እየን ተታሒዘን።
እተን ሲኤምኤስ ፋህሊያን፡ ሲኤምኤስ ኢጂድን ሴኤምኤስን-3ን ዝተሰምያ ጀላቡ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዘርባጃን ክፍሊ ባሕሪ ካስፒያን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኮይነን፡ ዋላኳ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ርክብ እንተገበራን ኣድላይ ዝበሃል ዝርዝር ሓበሬታ እንተቕረባን መፍትሒ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ነቲ ኣዘርበጃናዊ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢራ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣዘርባጃን ብመንገዲ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ። ነተን ጃላቡን ሰራሕተኛታተንን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ጌና ቀጻሊ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።
ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጉባአ ናይ ምግባር ምልክት ተርኢ ከምዘየላ ብ31 ታሕሳስ 2024 ብክታም ናይቲ ቦርድ ሓላፊት ሜላትወርቅ ሃይሉ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ኣብቲ ደብዳበኡ ህወሓት ጉባአ እተካይደሉ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 10 ለካቲት 2025 ዘብቅዕ፡ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ካብቲ ዝተመዝገበሉ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።
እቲ ቦርድ ብ9 ነሃሰ 2024 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ከም ሓዳስ ውድብ ምምዝጋባ ምሕባሩ ጠቒሱ፡ በቲ ዝተመዝገበትሉ ፍሉይ መምርሕን ኣገባብን መሰረት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ጉባአ ከተካይድ ዝእዝዝ ምዃኑ ኣስፊሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ህወሓት ነዚ ኣሰራርሓ ምእዝዝቲ ክትከውንን እቲ ዝካየድ ጉባአ ኣብ ህልውና ኣካላት ናይቲ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ክሳለጥ ከም ዝግበኦ ኣብዚ ናይ ብ31 ጥቅምቲ 2024 መልእኽቱ እውን ኣዘኻኺሩ።
ጉባአ ክካየድ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ንቦርድ ምርጫ ምሕባርን ንክዕዘብ ንመስርሕ እቲ ጉባአ ንምክትታል ዘኽእሎ ኩነታት ምጥጣሕን ከም ዘግባእ እውን ጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ክሳብዚ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 40 መዓልታት ጥራይ ዝተርፎ ንምክያድ ጉባአ ህወሓት ዝምልከት ናብቲ ቦርድ ዝበጸሓ ሓበሬታ ኮነ መጸዋዕታ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።
ናይቲ ቦርድ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ውድብ ህወሓት በቲ ዝተነግራ ኣገባብ እንተዘይተቐይዳ ሕጋዊ ሳዕቤት ከም ዘጋጥማ ስምዕታኡ ኣቕሪቡ። መሪሕነት ህወሓት እቲ ኣመዘጋግባ ከም ሓድሽ ዘይኮነ፡ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ደረጃ ከም ዝመልሶ ንክኸውን ዘቕረቦ ጥርዓን በቲ ቦርድ ምርጫ ከም ዝተነጽገ ኣብቲ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
እዚ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ነቲ እታ ውድብ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ኣካይደዮ ዝበለቶ እሞ ንጌታቸው ረዳን ብጾቱን ሰጒጐዮም ዝተባህለሉ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ መበል 14 ጉባአ ኣፍልጦ ዝነፍግ እዩ። ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ክሳብ 10 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ መዓልታት ጉባአ እንተዘየካይዳ ህወሓት በቲ ቦርድ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።
መግለጺ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት
Tuesday, 31 December 2024 21:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ሎሚ ኣብ ድሮ ምስግጋር ናይ 2025 ዓ.ም ኢና ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ “እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን” እናበለ ናይ ሰነይ ትምኒት መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምናን ኣመሓላሊፉ።
2024 ዓ.ም ኣብ ዓለምና ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተጋህደላ፥ መወዳደርቲ ዘይብሉ ሞት፡ ስንክልና፡ ብርሰትን ስደትን ዝተኻየዱላ፡ ናይ ዓለም ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን ተዓዘብቲ ዝዀኑላ ዓመት ኢያ ነይራ ኢሉ።
ነዚ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ብሰላምን ብልዝብን እንተዘይኰይኑ፡ ብሓይሊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ፈተነታት ንዝያዳ ጥፍኣትን ዕንወትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኰንን ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ እውን፡ ኣብ ክንዲ ንጐረባብቲ ሃገራት ናብ ቅልውላው ዘእቱ መደባት ምትላም፥ ብቐዳምነት ንውሽጣዊ ኰነታት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክመልስ፥ ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ካብዚ ኣጋጢምው ዘሎ ድኽነት፡ ሕማም፥ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ናብ ንቡር ናይ ሰላም ህይወት ንኽመልሶ ኢሉ ክሓስብን ክጽዕርን ኣዘኻኺሩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እቲ ኣብ 2024 ዝተኻየደ ዕዉት ዋዕላ ወይ ኮንፈረንስ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ 2025 ዝያዳ እናሰፍሐን ንኹሎም’ቶም ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ለውጥን ዝኣምኑ ሓይልታት ዝጥርንፍን ድሌታትን ባህግታትን ናይ ህዝብና ዘማልእ ዘመድረኽ ክኸውንን ዘለዎ ትጽቢትን ተስፋን ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ደጊሙ “እንቋዕ ናብ 2025 ዓመተ-ምህረት ኣብጽሓና፥ እዛ ዓመት’ዚኣ፡ ከኣ ንሃገርና ናብ ጐደና ሰላምን ልምዓትን ዘምርሑ ስርሓታት ዝካየዱላ፥ ድምጺ ውግእን ወረ ውግእን ዝንክየላ፥ ናይ ኣህዛብ ከባቢና ባህግታት ዝማልኡላ ዓመት ክትክውን ዘለዎ ትምኒትን ተስፋን ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ንኣባላት ፖ.ሓ.ኤ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ንምሕያል ዘድሊ ኩለንትናዊ ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ንጥፈታት ከይሰልከዩ ኣበርክትኦም ከዕዙዙ ጸዊዑ።
31 ታሕሳስ 2024
ኣብ ትግራይ ማእከላዊ ዞባ ከተማ ኣኽሱም ተጐልቢበን (ተሓጅበን) ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ ዝተኸልከላ ተመሃሮ፡ ኣንጻርቲ ምኽልካለን ተቓውሞ ከም ዘስመዓ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ፡ ነቲ ተግባር “ብሕገመንግስቲ ዝተዋህበና መሰል ዘየኽብርን ሃይማኖታዊ ነጻነት ዝግህስን እዩ ከም ዝበለኦ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸኦ፡ እቲ ምስ ተጐልቢብካ ናብ ቤት ትምህርቲ ምእታው ካብ ዝኽልከላ ሰሙናት ከም ዝሓለፈ እውን ገሊጸን። ኣተሓሒዘን ከም ዝበለኦ ድማ እተን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምምሃር መሰለን እየን ነፊገንአን ምኽንያቱ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ተደላይነት ስለ ዘለዎ ኢለን። ብፍላይ ሓንቲ ተመሃሪት ከም ዝበለቶ ዋላ ሕብሩ ምስቲ ናይ ተመሃሮ ዲቪዛ ( ዩኒፎርም) ከመሳስለኦ ፈቲነን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢራ።
ጌቱ ካሕሳይ ዝተባህለ ወኪል እስላማዊ ጉዳያት ምስ ቤት ጽሕፈት ኣብያተ-ምህርቲ ናይቲ ዞባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ንሱ እቲ ጸገም ብቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ እቲ ምጉልባብ (ምሕጃብ) ፍቑድ ምዃኑ ብደብዳበ ድሕሪ ምግላጹ ዝተፈጥረ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉዳያት ከተማ ኣኽሱም ብወገኑ ኣብ 10 ጥቅምቲ 2024፡ ደቂ ኣንስትዮ ተኸተልቲ ምስልምና ናይ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ግደታአን ክሕለወለን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ናብተን ኣብያተ-ትምህርቲ ልኢኹ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። እቲ መልእኽቲ እቲ ምኽልካል ጉልባብ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካለኣይ ደረጃ፡ ወርዒ፡ ከንደያ፡ ኣደባባይን መሰቦን ተጽዕኖ ከም ዘሕደረ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት ናይ መበል 12 ክፍሊ ተመሃሮ ዝርከበአን 140 ተመሃሮ ምስ ጉልባብ ብዝተተሓሓዘ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኸልኪለን ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።
ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ጸሓፊ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ተግባር ቅድሚ ዝኣገረ ንተመሃሮ መበል 12 ክፍሊ ይሃሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ተግባር ነቒፈምዎ። ከተማ ኣክሱም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ’ውን ብዛዕባ ምህናጽ መስጊድ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዘይተፈትሕ ዋጢጥ ዘለዋ እያ።
ኤርትራ ምስ ሶማሊያ ዝህልዋ ዝምድና ዳግማይ ከም እትሓስበሉ ምግላጻ ተሓቢሩ
Friday, 27 December 2024 12:08 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምስ ኣቢይ ዝገበሮ ስምምዕ ኣንካራ ርክብ ኣብ ኣስመራ
ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ናብ ሕማቕ ደረጃ ክወርድ ተኽእሎ ከምዘሎ ምግላጻ ሶማሊያ ጋርድ (Somaliguardian)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። ኤርትራ ነዚ ዝገለጸት ድሕሪ’ቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝጸንሐ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቱርኪ ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ምብጻሑ እያ። ኤርትራ ነቲ ናይ ኣንካራ ስምምዕ “ህዉኽን ዘይንጹርን” ብዝብል፡ ብትሪ ከም ዝነቐፈቶ ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ዓብደልቃድር እድሪስ ዝተባህለ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃን ሶማሊያን፡ ሶማሊያ ከም ልኡላዊት ሃገር ዝገበረቶ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ፡ ኤርትራ ዘይተጽበየቶ፡ ህዉኽን ሃሳይን እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ዓብደልቃድር እድሪስ ኣተሓሒዙ ከም ዝገለጾ፡ ድሌት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ኣብ ምርካብ ንግዳዊ ወደብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ምምስራት ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሶማሊያ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ መርገጺ እግሪ ምርካብ ክትሓስበሉ ኣለዋ ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ። ኤርትራ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣስጋኢ ምዃኑ ብምርዳእ ንዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ዳግማይ ከም እትሓስበሊ ከኣ ጠቒሱ።
እቲ ብ13 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣንካራ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሶማላውያን እውን ሓያል ህዝባዊ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ፈጢሩ እዩ። ብዙሓት ሶማላውያን ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዘለዎም ዘይዕግበት ኣንጸባሪቖም እዮም። እቲ ፕረሲደንት ድሕሪ ስምምዕ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምፍታሕ ጽኑዕን ቀጻልን ዲፕሎማሲያዊ መንግግዲ ኣብ ምኽታል ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ገይሮም ብምርዳእ ሕርቃኖም ዝገለጹ’ውን ብዙሓት እዮም።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ናይ ኤርትራ ሻቕሎት ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስሕሓብ፡ ዝምድነኣ ምስ ሶማሊያ ከተሕይል ዝጸንሐት ግብጺ እውን ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ብ25 ታሕሳስ 2024 ልኡኻታ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ክትሰድድ እንከላ ፕረሲደንታ ድማ ናብ ኤርትራ ምጋሹ ዝዝከር’ዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መንጎአን ወተሃደራዊ ግጭት ስለ ዝተፈጥረ እሞ፡ ናይ ምክሳስ መግለጽታት ብምውጸአን እቲ ኣብ ኣንካራ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ከይፈርስ ንቡዝሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ።
ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽምዎ ጥሕሰትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎም ዘይዕግበትን ንምንጽብራቕ ተቓውሞ ከም ዘስምዑ፡ ዩሜምዲ መዲያ (UMD Media)፡ ዝተባህለት ትካል ዜና ሓቢራ። እቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝጀመረ ዙይምዕሩይ ኣገባብ ኣመራርሓን ዘይብቑዕ ቀረብ መግብን ዝደረኾ ተቓውሞ ናብ ፖሊስ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ዝወሰደሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ ከኣ እቲ ዜና ኣፍሊጡ፣
እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ዘስምዕዎ ተቓውሞ፡ እቲ ዝቐርበሎም መግቢ ጽርየቱ ዘይሓለወ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንቑርሲ ሓንቲ ሕብስቲ ጥራይ ትቐርበሎም ምዃና፡ ካብቲ ዘቖጠዖም ጉዳያት ሓደ ማዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቶም ተመሃሮ፡ ንመግቢ ኣብ መዓልቲ 100 ብር ከም ዝኽፈለሎም ተሓሲቡ ትምህርቶም ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ከም ዝሕሰብ ምዃኑ ከም ዘሻቕሎምን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ምምሕዳር ዝኽተሎ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ቀረባትን ነቲ ኣቐዲሞም ከስምዕዎ ዝጸንሑ ዘይዕግበት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ።
እቲ ብሰላም ጀሚሩ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሓለዋ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዕግርግር ዝማዕበለ ምልዕዓል ኣብ ልዕሊ እቶም ተመሃሮ ኣካላዊ ጥሕሰትን ማእሰርትን ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ህንጻ መደቀሲ ተመሃሮ ጉድኣት ከም ዘውረደን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ በረኸት ዝተባህለ 5ይ ዓመት ናይ ሕጊ ተመሃራይን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሰብኣውነት ዝነጥፍን መንእሰይ ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ብዝርዝር ከም ዝገለጸላ ዩኤምዲ መዲያ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ገለ ወገናት ከኣ እቲ ተቓውሞ ምምሕዳራዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ተልእኮ’ውን ኣለዎ ዝብል ግምት ይህብሉ እዮም።
ኣብ ትግራይ ዘለዋ 4ተ ወሲኽካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ልዕሊ 40 መንግስታዊ ዩኒቨርሲታት ምምሕዳረን ኮነ በጀተን ኣብ ትሕቲ ክልላዊ ምምሕዳራት ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ፈደራል መንግስቲ እዩ።
ሓፈሻዊ ሌላ ከተማ ኣልጀርስን ዞባታታን
ኣልጀርያ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ቱኒዝያ፡ ብምብራቕ ምስ ሊቢያ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ማሊን ናጀርያን፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ማውሪታንያን ምዕራብ ሰሃራን፡ ብምዕራብ ምስ መረኮ ከምኡ ድማ ብሰሜን ምስ ባሕሪ መደትራንያን እትዳወብ ሃገር እያ። ስፍሓት መሬታ 2, 381 741 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝባ ከኣ 43.9 ሚልዮን እዩ።
ኣልጀርያውያን ካብ 1954 ክሳብ 1962 ግንባር ሓርነት ኣልጀርያ ብዝበሃል ውድብ እናተመርሑ ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ተቓሊሶም ነጻነቶም ጨቢጦም። ኣልጀሪያ 13 ኣውራጃታትን 37 ከባብያዊ ምምሕዳራትን ኣለወኣ። ኣልጀርያ ካብ ፈረንሳ ነጻ ምስ ወጸት ብ1963 እያ ሕገመንግስቲ ኣጽዲቓ። እታ ሃገር ብኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት እትምራሕ ኮይና፡ ኣብ ናይ 2021 ምርጫ ካብተን 54 ሰልፍታት እተን 44 ተሳቲፈን ነይረን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ሃገራዊ ሓርነታዊ ግንባር ኣልጀርያ እዩ። ዕላዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ኣልጀርያ ዓረብን ታማዚትን እየን። ገንዘባ ከኣ ዲናር ይበሃል።
ኣልጀሪያ ነጻ ምስ ወጸት ድሕሪ 40 መዓልታት ጀሚራ ኣባል ዓረብ ሊግ እያ። ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ ካብተን መስረቲ እያ። ካብ ህዝቢ ኣልጀርያ እቲ 99% ዓሌት ዓረብን በርበርን እዩ።
ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተመርሐ ሰውራ ኤርትራ፡ ብ28 ጉንበት 1965 ብዝወሰኖ መሰረት ዝተኸተሎ ምምስራት ወተሃደራዊ ክፍልታት፡ ካብ ተመኩሮ ሰውራ ኣልጀርያ ዝተቐድሐ እዩ ዝብል እውን ይስማዕ እዩ።
ኣልጀርስ ናይ ኣልጀርያ ማእከል ፖለቲካ፡ ባህልን ቁጠባን ኮይና፡ ዋና ከተማ ናይታ ሃገር እያ። ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 4 ሚልዮን ምዃኑ ይንገር። ስፍሓታ ከኣ 1,190 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ኣብታ ከተማ ብስፍሓት ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ በርበርን ፈረንሳን እዮም። ከተማ ኣልጀርስ ኣስታት 16 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ መዲተራንያ ስለ ዘለዋ ብበጻሕቲ ሃገር ተበሃጊት እያ። ኣብ ኣልጀሪያ ካብ ዘለዋ 114 ዩኒቨርሲታት እተን 23 ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ይርከባ።
ኣልጀርስ ድሕሪቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣስታት 170 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝተጎድእሉ ዝንገረሉ ውግእ፡ ቅድም ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ደሓር ድማ ቀጻሊ ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ ብምኽታል ነቲ ዘዋግአ ዝነበረ ጸገም ምዕለቢ ንምግባር ስምምዓት ዝተኸተመላ ከተማ እያ። እቲ ቀዳማይ ስምምዕ ብደረጃ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈረመ ኮይኑ፡ እቲ ካለኣይ ስምምዕ ድማ ብደረጃ መራሕቲ ሃገራት ዝተኸተመ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ካብ ዝምምዕ ኣልጀርስ ዝነቐለ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ፡ ጋና ኣብ መሬት ተመልኪቱ ኣይተዛዘመን። በዚ መሰረት ከተማ ኣልጀርስ ሎሚ’ውን መዛረቢት ኤርትራውያን ካብ ምዃን ኣይወጸትን።
ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይና ዘላ ሲርያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ኢስያ እትርከብ፡ ኣስታት 185,180 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ ሃገር እያ። ዓረብ ረፐብሊክ ሲርያ፡ ብሰሜን ምስ ቱርኪ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዒራቕ፡ ብደቡብ ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ እስራኤል ብምዕራብ ምስ ሊባኖስን ባሕሪ መዲተራንያንን ትዳወብ።
ሲሪያ 14 ምምሕዳራዊ ክልታት ክህልዋ እንከሎ፡ እታ ዝዓበየት ናይታ ሃገር ዋና ከተማ ድማ፡ ደማስቆስ እያ። ምስቲ ኩነታት ኣሃዛት ኣብ ሲሪያ ዝቀያየሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ደማስቆስ ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 2,685,000 ነባሪ ህዝብን 105 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓትን ከም ዘለዋ ይንገረላ።
ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሲሪያ ኣብ 2024 ኣስታት 24,672,760 እዩ። ካብዚ 16.7 ሚልዮን ዝኸውን ካብ ህዝባ ብሰንክቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ውግእ ዝተመዛበለ ኮይኑ፡ ካብኡ እቲ 6.7 ሚልዮን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ዝተመዝገበ እዩ። ካብተን ሲርያውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ዝተዓቑቡለን ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ጐረባብታ ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤውሮጳ ድማ ጀርመን ምዃና ይንገረላ። ናብ ቱርኪ ስተሰዱ ጥራይ ክሳብ 3.2 ሚልዮን ይበጽሑ። ናብ ጀርመን ድማ 1.3 ሚልዮን።
ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ በሺር ኣል ኣሳድ፡ ቅድም ኣባል ኣልቃዒዳ ከም ዝነበረ ብዝንገረሉ መሓመድ ኣል-ጀላኒ ዝምራሕ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም ዝበሃል ጉጅለ ዝለዐለ ኢድ ዘለዎ ኣካል ስልጣን ኣብ ምድልዳል ይርከብ። ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ በሺር ኣልኣሳድ ክግበር ዝጸንሐ ቃልሲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘመሓድር ዝነበረ ተቓዋሚ፡ መሓመድ ኣልበሺር ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ብመሓመድ ኣል-ጀላኒ ተመዚዙ ኣሎ። እዚ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ክሳብ መጋቢት 2025 ዝጸንሕ ኮይኑ ቀዳምነታቱ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምስፋንን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ምዃኡ ከኣ ኣዊጁሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሶሪያ ዝተፈጥረ ኩነታት ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ወገናት ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ምስቲ ኣብታ ሃገር ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስታትን ኢድ ኣእታውነት ምጽንሑን ምህላዉን፡ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ሓያል እዩ።