ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ዝሓለፈ ግዝያት ብዝኸፈአ፡ ብኩራት ሓይሊ ኤልክትሪክ ይገጥም ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት  ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፋ ንግዱድ ውትህድርና ይካየድ ምህላዉ ምግላጹ ተፈሊጡ።

በቲ ናይ ሬድዮ ኤረና ሓበሬታ መሰረት፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ ንሓያሎ መዓልታት ብቐጻሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይቋረጽ ስለ ዘሎ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝገደደ፡ ናይ ተለፎን ርክባትን ካልእ መሰረታዊ ጉዳያት ብኩራት የጋጥም ኣሎ። ጉዳይ ርክብ ተለፎን ኣይኮነንዶ ናብ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን የጸግም ከምዘሎ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ህግደፍ “ኤርትራ ብዕቤት ንቕድሚት ትሕንበብ ኣላ” ዝብለሉ ዘሎ ግዜ፡ ህዝቢ ነታ ዝርካባ መንግስታዊ ተለቪዥን ኤርትራ እውን ምክትታል ከምዘይክእል ተፈሊጡ። እዚ ድማ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ፡ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረቶ ደረጃኳ ንድሕሪት ትምለስ ከም ዘላ ዘመልክት  ምዃኑ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሬድዮ ኤረና ኣብ ከተማታት ኤርትራ ቀጻሊ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ግፋ ከም ዘሎ ክሕብር እንከላ፡ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና፡ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ብምጥቃስ እቲ ግፋ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝኸፈአ መልክዕ ይካየድ ምህላዉ ገሊጻ። በቲ ናይ ቢቢሲ ሓበሬታ፡ እቲ ግፋ ካብ ኣሃዱታቶም ብፈቓድ ይኹን ብህድማ ምስ ስድራቤቶም ዝጸንሑን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ሳዋ ከይከዱ ዝጸንሑን ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሳ። ነቲ ግዱድ ግፋ  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት እንተዘይተረኺቦም፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን  ስድራቤቶም ነዚ ተግባር ብዝተዋፈራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት  ዝውሰድ ዘሎ ዘይሰብኣዊ ስጉምታት ምዃኑ ተፈሊጡ።  እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና እቲ ዘይሰብኣዊ ግፋ  ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ብምሕባር፡ ከም ኣብነት ነቲ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ዝተፈጸመ ንኣብነት ብሰፊሑ  ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ብሰንክዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ካብ መረበተን ሃዲመን ኣብ በረኻ ክሕበኣ ዝተገደዳ ስድራቤተት ከም ዘለዋ ድማ ተፈሊጡ።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራውያን ብስም ማሕበረ ሰብ ተጠርኒፎም ነቲ መሰል ምምስራት ማሕበራት ወጻእተኛታት ኣብ ሽወደን ተጠቒሞም ብስም ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ብደረጃ ሃገር ሽወደን  ቆይሞም: ብዝኾነ ፖለቲካ ውድብ ወይ ሃይማኖታዊ ትካል ከይተኣዘዙ ነጻነቶም ሓልዮም ነቲ ኣብ ሚዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ውድብ ደገፎምን ኣብርክተኦምን ገይሮም። እቲ ማሕበር ኣብ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ዝነበረ፣ ድሕሪ ምሕራር ምጽዋዕ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ነቲ ብስም ሕፋሽ ውድባት ዝንቃሳቐስ ዝነበረ ክፋል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ: መሪሒነት ህዝባዊ ግንባር ኣደስኪልዎ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዓ.ም ድማ ንኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ሽወደን ብውዲትን ከቢድ ተጻብኦን በበቕሩብ ነቶም ንነጻነት ማሕበር ዝቃለሱ ዝነበሩ ባእታታት ኣብ ምዝራዎም ተዓዊቶም፣ ነቲ ማሕበር ብናታቶም ተኣዘዝቲ ወሪሶሞ፣ ክሳብ`ዚ ዓመት`ዚ ንሃገር ሽወደን መደበር ብምግባር ኲሉ ዘድልዮም ክሰርሑ ጸኒሖም። ሓደ ካብኡ እዚ ኣብ ወርሒ ነሓሴ ከዛርብ ዝጸንሐን ኣብ መድያ ሽወደን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍቶንብላደት ዝብሃል ጋዜጣ ክሳብ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ፈስቲቫል ብደገፍቲ ጒጅለ ህግደፍ ዝዳሎ ኢዩ።

እዚ ናይ ምወዳእታ ትማሊ ዕለት 15 ነሓሴ 2022 ዝወጸ ጽሑፍ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ይርከብ።  ንኸምዚ ህዝባዊ መቕዘፍቲ ዘጎሃህር ሓንሳብ ንሓዋሩ ደው ከንብሎ ኣሎና ብዝብል ጅማሮ እቲ ዓንቀጽ፣  ቀጺሉ ሰፊሩ ዘሎ ብፖለቲከኛታት ኣባላት ባይቶ ሊበራላውያን ተኣዊጁ ኣሎ።

እዞም ብስም ገጠምትን ወይ ስነ-ጥበባውያን ዝባሃሉ ወታሃደራዊ ዩኒፎርማ ዝተኸድኑ ናይ ውልቂ መላኺ እምባ ገነን ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ኣብዚ እግሮም ከቐምጡ የብሎምን። ነዚ ሕቡእ ”ምትእኽኻብ ፕሮፓጋንዳ ምልካዊ ስርዓተ መንግስቲ”  ኣብ ስትቶኮሆልም ሰበ-ስልጣናት ሆላንድ ንኸይግበር ደው ኣቢሎሞ´ዮም። በዚ ኣጋጣሚ ንኦሳ ኒልሶን ሰደርስትሮም/Åsa Nilsson Söderström ብጾታ ኣባላት ሰልፍን ናእዳ ምሃብ ይግብኣና። ኦሳ መርገጻ ብምንጻር ነዚ መስርሕ ፕሮፖጋንዳ ውልቀ-መላኺ ደው ንምባል ሰርሓ ኢያ።

ኣወል ስዒድ ገጣሚ ተባሂሉዩ ዝጽዋዕ። እቲ ሓቂ ግን ንናይ ኤርትራ መንግስቲ እምባገነን መቓልሕ ፕሮፓጋንዳ ኢዩ። ንናይ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዝበልዕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት´ዩ ዝውድስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ ዝንዝሕ ንዂናት ዘጎሃህር´ዩ።

እቲ ዕላማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ህዝባዊ መቕዘፍቲ ንምድጋፍ´ዩ። እምባ ገነን ስርዕተ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብዝልዓለ ደረጃ ገበን ዝተጸንበሮ`ዩ። ተስፋና እምበኣር ሰብ ስልጣናት ሽወደን ከምቲ ናይ ሰበ ስልጣናት ሆላንድ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዱ ኢዩ። ሰበ-ስልጣናት ነቶም ኣብዚ ዑቚባ ሓቲቶም ምስዚ ስርዓት ዝተሓባበሩ ብሓቂ ዕቚባ ዝግብኦም እንተኾይኖም ደጊሞም ክሓስብሉ ዘለዎም ጉዳይ ኢዩ።

ፖሊስ እውን ሓይሎም ጠሚሮም ስጒምቲ ንምውሳድ፣ ነቲ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዘመልክትዎ ጒድኣትን ምዝብዛብ በዚ ስርዓት ምልክውነት ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ። ሰበስልጣናት ግብሪ እውን ነቶም ዝተፋላለዩ ማሐበራት ምስዚ ስርዓት ምትእስሳር ዘለዎም ነቲ ካብ ኮሙናት ዝረኽብዎ ቁጠባዊ ደገፍ ምቁጽጻር ክገብሩሎም ኣለዎ።

ኣወል ስዒድ መንግስትኻ ኣብ ሽወደን ንኤርትራውያን 2% ግብሪ ከኽፍል ወይ ድማ ብኻልእ መገዲ   ከባሳብስን  መሰል የብሉን። ብግብሪ ዝተኸፍለ ገንዘብ ሽወደን ንፕሮፓጋንዳ መንግስትኻ ፈጺሙ ኣይክውዕልን`ዩ። እዚ ተግባራት`´ዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ክፍጸም ምጽንሑ ንመንግስቲ ሽወደን ትሑት ምስክር ዘውህብ´ዩ። ንሕና ሊበራላውያን ኣብ ዝመጽእ ግዜ መንግስቲ ነዚ ስራሕዚ ደው ከንብል ኲሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢን።

Åsa Nilson Söderström ዞባዊ ፖለቲከኛ ኣብ Spånga-Tensta ሊበራል

Joar Forssell ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ኣፈኛ ፖለቲካ ወጻኢ ሊበራል

Fredrik Malm, ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ሊበራል

ትርጉም ረዘነ ተስፋጽዮን

እቲ ተኣምር ሰሪሑ ንዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ ወለዶ፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ድሓን-ኩኑ ጉዕዞ ምህላዉ በብመዓልቱ ዝቃላሕ ዘሎ ከቢድ ዜና ኢዩ። ህዝቢ ብብዝሒ ናብ ቓልሲ ፍንሕንሕ ከይበለ እንከሎ ፍሉይ ታሪኽ ዘመዝገበት፣ ንኣዋልድን ኣዴታትን ኤርትራ ናይ ትብዓት ኣብነት ዝኾነት ሳዕዲያ ተስፉ እውን ብ27 ሓምለ 2022 ንዝሓለፉ ናይ ቃልሲ ብጾታ ኣርኪባ። ከም ሓያለይ ስዉኣትና ከኣ ኣብ ስደት (ኣብ ካይሮ) ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣውስትራልያ ብ31 ሓምለ ንዝኽሪ ስውእቲ ሳዕዲያ መደብ ኣዳልዩ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ንመተዓብይታን፡መቓልስታን፡ ቤተ ሰባን ዘሳትፍ ካልእ መደብ እውን በቲ ብኤሪሳት ኣቢሉ ንኤርትራ ከይተረፈ ዝመሓላለፍ ፈነወ ራድዮ ብሊና-ጃህራይ ይዳሎ ምህላዊ ተሰሚዑ ኣሎ። እንበኣር፡ ሳዕድያ ተስፉ መን ኔይራ? ኣብ ምንታይ ዓይነት ፍሉይ ፍጻሜኸ ውዒላ? ንዝብል ሕቶታት ኣንበብቲ ንምብራህ ብዛዕባኣ ገለ ሓበረታ ምሃብ ጠቓሚ ይኸውን።

ኣብቲ ዘመን’ቲ፡ ብፍላይን ግን ብዓመተ 1968፡ እታ ሳዕዲያ እተወልደትላ ከተማ ከረን ኣብ ዓቢ ፍርሕን ሽበራን ኣትያ ኔይራ። ቤት ማእሰርቲን እንዳ ፖሊስን፡ ብስሩዓትን ብእተጠርጠሩ ተሓባበርቲ ሰውራን መሊኡ ኔይሩ። በብዝኸድካዮ ሬሳታት ተደርብዩ እትረኽበሉ መዓልታት’ውን ውሑድ ኣይነበረን። እቲ ናይ 1968 ምኽንያት፡  ሓደ ዓሊ-በኺት (ዓልበኪት)  እተባህለ ተጋዳላይ-ነበር ንቃልሲ ከዲዑ ኢዱ ሂቡ ብምንባሩ ኢዩ። እቲ እንኮ መፍትሒ ራዕድን ሞትን ከኣ ኣብ ርእሲ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምውሳድ  ጥራይ ምንባሩ ብናይ ከባቢ መሪሕነት ውድብን ብስሩዓት ከተማን ተኣሚንሉ። እታ ካብ 1964 ጀሚራ ካብ ስሩዓት መንእሰይ ኣዋልድ ከተማ ዝነበረት ሳዕድያ ተስፉ ኣብቲ መደብ ቅንጸላ ዓሊ-በኺት ክትሳተፍ ፍቓደኛ ኰይና። ሳዕዲያ ብ1968 ጓል 18 ዓመት ኢያ ኔይራ። ዓሊ-በኺት ከኣ ንዕምሩ ንዝረኣያ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ‘ክሻቕል’ ዘይእግሞ ሰብ ኔይሩ። Saedia Tesfe 1

ብመደብ ተጋደልቲ/ፈዳኢን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ነቲ ከዳዕ ከም እትላለዮ ተገይሩ።ካብዚ ቀጺላ፡ ተጋደልቲ ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበሩ ገዛ መሪሓቶ ኣትያ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ክንደይ ሰብ ዘበሳበሰ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምስ ተወስደ ከኣ፡ ምስ ተጋደልቲ ንሜዳ ኣምሪሓ። ምሕረት ዘይነበሮ ኢትዮጵያዊ ጸላኢ፡ ነ’ቦኣ ተስፉ ንሱር ረኺቦም፡ ንሜዳ ከይዱ ጓሉ ከምጽኣ ሓተቱዎ። ከይዱ ቊሩብ ምስ ደንጐየ ከኣ ንሰለስተ ደቁ ኣሰርዎም። ኣቦኣ ተስፉ ንሱር ማእሰርቲ ደቁ ምስ ሰምዐ፡ ንከረን ተመሊሱ ንደቁ ፈቲሖም ኣብ ክንድኦም ንዕኡ ክኣስርዎን ምስኡ ክዳነዩን ከም ዝኽእሉ ሓተቶም። ኣሰርዎ ኸኣ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ግን ሬሳ ኣቦ ሳዕድያ ምይ ሬሳታት ናይ ካልኦት ዘይተለለዩ እሱራትን በቲ ጸድፊ ጎቦታት ጥቓ መጋሪሕ ተደርብዩ ተረኽበ። ኣዝማድ ሳዕድያ ከኣ ነቲ ብዕድል ካብ ኣዛብእ ‘ዝደሓነ’ ሬሳ ተስፉ ንሱር ወሲዶም  ክቐብርዎ ዕድል ረኸቡ። ካልእ ዝብሃልን ዝግበርን ኣይነበረን -- ዳርጋ ከምዚ ሃለዋት ናይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ!! 

ናይ 1968 መንእሰይ ሳዕዲያ ካብታ ዓሊ-በኺት እተቐንጸለላ መዓልቲ ኣትሒዛ ኣብ ናይ ተጋዳሊት ህይወት ኣትያ። ምስ ኣታሕዛ ብረት ድሕሪ ምልላይ፡ ዝበዝሐ ጊዜኣ ንደብር-ሳላን ከሰላን ብምምልላስ ከም ኣላይት ውጉኣትን ሕሙማትን ኰይና ኣሕሊፋቶ። ኣብ መፋርቕ 70ታት ምስ ካልኦት 50 ዝኾኑ  ተጋደልቲ (ፍርቂ ካብኦም ኣዋልድ) ናይ ሕክምና ትምህርቲ ኣብ ባቕዳድ/ዒራቕ ተማሂራ ንሜዳ ተመሊሳ ኣድማዒ ኣገልግሎታት ከም ዝቐጸለት ብመቓልስታ ይምስከር። ኣብ ዝደሓረ ዓመታት፡ ንስዑዲ ዓረብ እኳ እንተኸደት ሕሉፍ ህይወታ ብዘስዓቦ ሕማማት ዝኣክል፡  መነባብሮ ከምዘይጠዓማን ከቢድ ጸገማት ከም ዘሕለፈትን ይንገር። ብዝኾነ፡ ሓሊፋ።Saedia Tesfe 2ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስዮ ኤርትራ ንእተመርጻ መሪጹ ዘርኢ ስእሊ። ካብኤን ድሮ ሓያለይ ንሳዕዲያ ተስፋ ቀዲመናኣ ኣለዋ። ኣብ ስእሊ ዝረኣያ፡ ካብ የማን/ ኮፍ ዝበላ፡ 1.ዘይነብ ኢማነቱ 2. ኣልማዝ ወልዱ 3. ኤልሳ ወ/ስላሴ 4. ፋጥማ ሳዕደዲን 5. ንስሪት ከራር 6. ፋጥማ ሳሊሕ 7. መድሓኒት ወ/ስላሴ 8. ኣብርሄት ኣብርሃ። ደው ዝበላ ካብ የማን፡ 9. ኣድሓነት ዓንዱ 10. በኪታ ኣደም 11. ኣለም 12. ነፊሳ መሓመድ ብርሃን 13. ኑራ ስዒድ 14. ፋጥማ ማሕሙድ 15. ኤልሳ መስፍን 16. ጸጋ ወልደማርያም 17.ኣምና መለኪን 18.ሓረጉ ገብረየሱስ 19.ዓረፋት ዑመር 20. ኣስገደት ምሕረተኣብ 21. ጁምዓ ዑመር።

ከም ዝፍለጥ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ቀዳሞት ንሜዳ እተጸንበራ ደቂ ኣንስይቶ ኤርትራ ኔይራ። ካብ 1973 ንደሓር ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ከም እተሰለፋ ይፍለጥ። ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለስ ጠቕላላ መሕበር ደቂ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ብ1973 ብዕሊ ድሕሪ ምምስራቱ ታሪኻዊ ንጥፈታት የካይድ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ብ27 ሰነ 1974 እተጋብኤ ጉባኤ ማሕበር እውን፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ጉባኤኛታት ነይራ።

ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዂለን/ኲሎም ስዉኣት ወዓሩን ጀጋኑን ኤርትራ። 

ኣብ ዝኾነ መድረኽ ብመንጽር ከተረጋግጾ እትደልዮ ዕላማ፡ ክትኣልዮ ዝህልወካ ቀዳምነት እትህቦ ዕንቅፋታት ተቐምጥ ኢኻ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነብር ህዝቢ፡ ንገዛእቲ ሓይልታት ከም ቀዳሞት ጸላእቲ የለሊ። ኣብ ንስሙ ነጻ ዝወጸት ሃገር፡ ንዕቤትን መሰልን ናይቲ ህዝቢ ዓፊኑ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ  ዓቢ ዕንቅፋት ስለዝኾነ  ክእለ ዘለዎ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ጌርካ ተቐምጦ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእቲ መንግስታት  ዘካየዶን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን ቃልሲ፡ ሃገራዊ መንነቱን ህዝባዊ ሰብኣዊ ክብሩን ንምርግጋጽ ኢዩ። ነዚ ከም ቀዳማይ ዕላማ ዝወሰዶ፡ ብዘይ ምርግጋጽ ሃገራዊ መንነቱ፡ ህዝባዊ ክብሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ሰጒሙ ክበጽሖ ዝኽእል ምዕባለ ስለ ዘይነብረ ኢዩ። እቲ ዝነበረ ካልኣይ ዕላማ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚኦም ኣረጋጊጹ  ብሰላምን ፍትሕን ንክነብር ኢዩ። ኣብ ፍትሒ ዝተሞርከሰ ምርግጋጽ ሰላም፡ ቀንዲ ውሕስነት ዕቤትን ራህዋን ኢዩ። ነቶም ናይ ደቂ ሰባት ባህሪያዊ ጸላእቲ ዝኾኑ ድኽነትን ድሕረትን ተረባሪብካ ንምስዓር የኽእለካ።

ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ኤርትራ ነቲ ህዝቢ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ጨውዩ፡ ናቱ ድሌታት ጥራይ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ተኸቲሉ። ሃገር ብሕጊ ኣብ ክንዲ ትምራሕ ብናቱ ዊንታ ከም እትምራሕን ንባዕሉ ከም ልዕሊ ኩሉ ነገር ኣብቲ ሃገር ተገይሩ ክቑጸርን ብመጋበርያታቱ ይሰርሕ ኣሎ። ገሊአን ሰዓብቱ ሕሉፍ ሓሊፈን ንሱ ሃይማኖትና ንሱ መስጊድና ንሱ ቤተክርስትያንና ክብላ ይስምዓ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሃገር እትዓብየሉን እትድሕነሉን ፈለግ ምዕባለ ተኸቲሉ ይኸይድ ከምዘየለ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። እቶም ሕልናን ኣስተብህሎን ዘለዎም ሰዓብቲ ናይቲ ስርዓት ዝባህሉውን፡ ነዚ ኣጸቢቖም ይርድእዎ ኢዮም። ሓደ መራሒ ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ድማ ፍቕሪ ክህልዎ ኣለዎ። እቶም ኣብ ታሪኽ ዝፍለጡ ዕሉላት መለኽቲ ብፍቕሪ ሃገራቶም ዝሕመዩ ኣይነበሩን። ኣብ ኩሉ ጉዳያት ገበርትን ሓደግትን ቀተልትን ኣሰርትን ብምንባሮም ዝኽሰሱ ዋላ እንተነበሩ መሰረት ዘንጸፈ ዕቤት ንሃገራቶም ይተኽሉ  ነይሮም። ኢሳያስ ግና ፍቕሪ ኤርትራ የብሉን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ዝኸሓነ ኢዩ። ኣብ ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት  ኣመራርሕኡ፡ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረቶ፡ ኣብ ዝደሓረ ኩነታት ከም እትርከብ ባዕሉ ኣብ ዝደጋግሞ ቃለ ምልልስ ዝተኣመነሉ እዩ። ቀደም ዝነበረ ፋብርካታት፡ ኣገልግሎት ዝህብ ትካላትን ወደባትን ሎሚ ኣብቲ ኣመራርሓኡ ከም ዘየለ ብዘይ ሕፍረት ነጊሩ ኢዩ።

ኢሳያስ ንሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ወለዶታት ዝሓልፍ ብርሰት ኢዩ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ዝሓልፍ ዘሎ። ንመንእሰያዊ ዓቕሚ ከይመሃርን ንቡር ሂወቱ ከይመርሕን፡ ሃብትን ትምህርትን ዘለዎም ዜጋታት ዓቕሞም ኣብ ዕብየት ሃገሮም ከየውዕልዎ ኣደዳ ስደት ገይርዎም ኣሎ። ኩሉ ዓቕማ ከይትጥቀም ብኢሳያስ ዝተሓረመት ሃገር ድኽነትን ድሕረትን እምበር ምዕባለን ራህዋን ከቶ ክትርኢ ኣይትኽእልን።

ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሳያስ ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ስግኣትን ፍርሕን እዩ  ዝነብር። እዚ መላኺ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላም ዘየምጽአ ኣብዚ ዞባ ምስ ጎረባብቱ’ ውን ጻሕታሪ ኲናት ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘይወሓጠሎም ሓይልታት ምትዕርራኹ ደሚርካ ንልዑላውነት ኤርትራ ኩሉ ግዜ ስክፍታ ኢዩ። ኢሳያስ ንባዕሉ ንሃገርነት ኤርትራ እሙን ኣይኮነን። ንኩሉ ዝብሎን ዝገልጾን ኣላጊብካ ክምርመር እንተኾይኑ፡ ንሃገርነት ኤርትራ ምእንቲ ስልጣኑ ኢሉ ኣሕሊፉ ክህብ ከምዝኽእል ኣብ ድምዳመ ዘብጽሕ ኢዩ። በዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ሓደጋ ንምፍርራሕ ልዑላውነትና ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ እንተልጊሱ እቲ ደበና ስግኣት ክቕንጠጥ  ኢዩ።

 ኣመራርሓ ኢሳያስ ቀንዲ ጠንቂ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምቕጻልን ስቓይ ህዝብና ንምንዋሕን ብዙሕ ሜላታት ኢዩ ዝፈጥር። ህዝቢ ብስእነት ፍትሓዊ ምሕደራ ዝወርዶ ሕሰም መታን ከየለልን ከይሓትትን ናይ ግዳም ጸላእቲ መጹኻባ ወረሩኻባ እናበለ የደናግርን የሀውትትን። እዛ ብቑዕ ኣመራርሓ ብምስኣናን ብሰንኪ ኩሉ ዓቕሚ ህዝባ ንዕቤታ ከተውዕል ብዘይምኽኣላን በሪሳን ተደዊናን እትነብር ዘላ ሃገር ኤርትራ፡ ከም ብግዳማውያን ጸላእቲ ከምኡ ከም ዝኾነት ጌርካ ንምርዳእ ዝፍትን ጻዕሪ ስርዓት ኤርትራ ከም ዳግማይ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምፍጻም ዝቑጸር ኢዩ።

ኣበሳ ህዝቢ ኤርትራ ክሓጽርን ስክፍታ ልዑላውነት ሃገርና ከልግስን ነዚ ናይ ኩሉ ጠንቂ ዝኾነ ውልቀ መላኺ መራሒ ስርዓት ኤርትራ፡ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ይጽናሕ ከይተባህለ ክእለ ዘለዎ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ብዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ኩሉ ግዜ ናይ ዓለም ስሕበት ኮይና ክትቅጽል ኢያ። ንጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ ከም ሓደ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ክንቆጽሮ ይግባኣና። እዚ ጸጋዚ ንሓደ ዝተዓደለ ንካልእ ግን ዘይተዓደለ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ እንኽተሎ ሜላ፡ ብደረጃ ዓለም ይኹን ዞባ፡ ሃገራዊ ጥቕምና ዝርብሓሉን ፈተውቲ እነብዝሓሉን ብመንጽሩ ድማ ጠቕሚ ናይቶም ንጸጋታትና ክጥቀሙ ዝደልዩ ዝሕለወሉ ክኸውን ኣለዎ።

ብምኽንያት ሃንደበታዊ ዕርፍቲ ብጻይና ኢሳቕ  ተስፋጋብር መዲን ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ብጻይና ኢሳቕ ምእንቲ ንጻነትን ሓርነትን ህዝብና ካብ ንእስነቱ ዝዓጠቐ ክሳብ ዕለት ዕርፍቱ ዘይሕለል ተቓላሳይ፡ ብጉልበቱ ይኹን ብገንዘቡ ውፉይ ኣባል ጨንፈር ስያትል ኮይኑ ንዓመታት ተቓሊሱ 18 ሓምለ 2022 ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ።

ኣብርእሲ ኣባል ሰዲህኤ ምዃኑ ኣባል ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትርውያን ስያትል ምንቅስቓሳት ንጡፍ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር፡ ብቐሊሉ ዘይትካእ ብጻይ ብምስኣና ዝስማዓና ሓዘን ዓሚቝ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንስድራቤት ብጻይና ኢሳቕ ጽንዓት ይሃብ እናበልና፡ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ። ከም ብጾቱ ድማ ኢሳቕ ዝተቓለሰሉ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ክሳብ ብዓወት ዝድምደም፡ ኣሰሩ ተኸቲልና ክንቃለስ ምዃና ነረጋግጸሉ።

ክንዕወት ኢና

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

18 ሓምለ 2022