ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት፥ መበቆልን፡ እምነታትን ዝተመስረተ እዩ። እቲ ዝሓለፎ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት ከኣ  ኣሉታዊ ኣሰራትን ስምብራትን ሓዲጉሉ  እዩ። ሎሚ፡ ናጽነቱ ተጎናጺፉ ከብቅዕ ብሰንኪ ምልኪ ቀሲኑ ክነብር ኣይከኣለን።  ነቲ ጨቋንኡ ስርዓት ንምልጋስ እውን ብቑዕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክገብር ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እቲ ምልካዊ ስርዓት ነቲ ኣውራጃዊ፥ ብሄራዊ፥ መበቆላውን፥ እምነታትን ብዝተፈላለየን ስውርን መገዲ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ህርድግ ይብል።

ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ እዚ ኩሉ ናይ ብሄርን፥ ባህልን፥ ወይ እውን እምነታትን ፍልልያትን  ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር ሓቢሩን ተኸባቢሩን ንዓመታት ዝነበረ ህዝቢ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ብሰንኪ  ውልቀመላኺ ስርዓት ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትን ስምዒትን  ዝተጠርየ ናብ ወወገኑ ከድህብ ክገብሮ ይፍትን ከምዘሎ ግን ንስሕቶ ኣይመስለንን።

ምልካዊ ስርዓት፡  ኩሉ ግዜ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣምር ስለዝኽተል፡ ህዝቢ ኤርትራው’ን ካብዚ ጽልዋ እዚ ናጻ ክኸውን ኣይኽእልን። ብኡ መሰረት እነሆ እኳ ነቲ ሕብረተሰብ ዝፋቕሮን ተጣሚሩ ሃገራውን ፖለቲካዊን  ውህደት ንኸይንፈጥር ክንሰማማዕ ኣይከኣልናን። እዚ ንኹልና ብገለ ስምዒታት ተደሪኽና ናብ ዘይከወን ኣቕጣጫ ክንእምት ዝደፋፍኣና ምኽያት ኣሎ። ንሱ ድማ  እቲ ናይ ባህሊ፥ ብሄርነት፥ ዘርእነት (ethnicity) እምነት ዝነቐለ ፍልልያት ኣነ ተወጻዕኩ፥ ወይ ተሃሰኹ ካብ ዝብሉ ስሚዒታት ኣብቲ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ሓቢርካ ምሕሳብን ዝፈጥሮ  ጸገም እዩ። እዚ  ንነፍሲ ወከፍ ኣካል ሕብረተሰብ ንወገኑ፥ ንኣውራጃኡ፥ ንብሄሩ ንሃይማኖቱ ወይ እውን ባህሉ ልዕሊ ኩሉ ገይሩ ንኽጥምት ይግደድ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን፥  ኣግላልነትን፥ ኣድልዎን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ይፍጠር እሞ፥  ነቲ ሃገራዊ መንነትን ሃገራዊ ሓድነትን ይዘርጎ። እዚ ስምዒት እዚ ምስ ዝዕብልል ከኣ ነቲ ናይ ብሄራት ይንኣሳ ይዕበያ፥ እምነታትን፥ ባህልታትን ብዘየገድስ ተጣሚረን ንኸይጎዓዛ  ዝገትእ ይኸውን።

እዚ እምበኣር እቲ ንኹሉ ብማዕረ ዝርኢ  ብቑዕ ምሕደራ ኣብ ምምስራት ሓደገኛ ተራ ይህልዎ። ከይዱ ከይዱ ድማ ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነታዊ መለለይታት ፍሒቑ ዘርኣዊ፥ ብሄራዊ መንነት ናብ ምቅላሕ ገጹ ሃሰስ ክብል ይጅምር። ኣብ ከምዚ ግዜ ፖለቲካዊ ውህደት ይሰኣን እሞ ነቲ ስልጣን ብዘይኣገባብ ናይ ምጥቃም ኣንፈት ብምሓዝ ሓባራዊ ጠመተን ምቅርራብን ናይቲ ሕብረተሰብ የመዛብሎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ምፍልላያትን፥ ኣብ ወገነይን ወገንካን… ወዘተ ይሕምብስ። ብኡ ኣቢሉ ከኣ ሓባራውን ንሃገራዊ ረብሓ ዘማዕብልን ሓሳብ ንጎኒ ተሪፉ፥ ዘተኣማምን ቅሳነትን ስኒትን ይጠፍእ።  በዚ ዝኣክል ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ኣገባብን ኣተሓሕዛን ተረድኦን ክውንንን፡ ንሱ ብዝኣምነሉ ኣገባብ ክጎዓዝ ይፍትን። በዚ እቲ ሓባራዊ ሃገርን ዜግነትን ካብቲ “ነዓይይ ውን ይግባኣኒ እዩ”  ዝብል  ናይ ኩልና ሓባራዊ መንነት ስምዒት ይርሕቕ።

ኣብ ከምዚ እዋን እዚ፡ እቲ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝዳኒ ሕገ-መንግስቲ ንምምስራት ዘይተኣደነ ውድድራት ክለዓል ይከኣል። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ዘርኡ፥ ኣውራጃኡን፥ ብሄሩን፥ ወይ እምነቱን ባህሉን፥ በቲ ካልእ ብኣተሓሳስባ ዝፍለዮ ከይዕብለል፡ ኣብ ናይ ምርሕሓቕ ኣንፈት ገጹ ይሕንበብ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዝዓብለለን ዝተዓብለለን ስምዒታትን፥ ፈጢሩ ክሳብ ንሓድሕድ ምቅትታል ዘኸትል ክኸውን ይኽእል። ከም ኣብነት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እኹል መረዳእታ እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ራኢ ኣብ ምህናጽን ዜግነታዊ ኣምር ኣብ ምድልዳል ከቢድ ማሕለኻ ይፈጥር።

ሎሚ፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ተሪር ሓጺናዊ ምልኪ ተቖሪኑ ኣብ ዘለሉ እዋን፥ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትናን ሓድነትናን ኣደልዲልና ኣብ ክንዲ ያዕ ንብሎ፥ ወግሐ ጸብሐ ሓሓደስቲ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ይስስናን ይጭጭሓን ኣለዋ። እዚ  በበይንኻን በብዝመስለካን ምጉዓዝ ካብ ምንታይ ዝነቅል ኮን ይኸውን? ንምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባንከ ስዒርና ንሃገራዊ ሓድነትና ከንዕቅብን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክነጣጥሕን ንኽእልዶ።?  ንኣውራጃይ፥ ንብሄረይ፥ ንእምነተይ ምቕዳምከ ነቲ ዝተጠርየ ሃገራዊ መንነት ከደልድሎ ይኽእልዶ።? እቲ ከምዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምፍልላያት’ኮ እዩ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ህዝብን ዘናቚት ዘሎ።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ እዚ ሓዲሽ ወለዶ በብሸነኹ ጉዕዞ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኣመራርሓን፥ ኣብ ዜግነትን ጥሙር ሓሳብ ኣብ ምስራጽን ሓንኳሊ ግደ ክጻወት ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ። ካብዚ ሽግር እዚ ክንወጽእ እምበኣር፥ እቲ ንኹልና ዝጠምረና ሃገራዊ ሓድነትና ዘደልድል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ኣሎና። ንሱ ድማ እቲ ዝኸበደ ቃልሲ ንነፍስና ኣብ ምልዋጥ እንገብሮ ጻዕሪ እዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኩሉ ግዜ ሓቛፍን፥ ኣሳታፍን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ከሰስኑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሃነጽቲ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምጥራይ ፋሕተርተር ክንብል ከሎና እዩ።  ኣብ ክንዲ ነነሕድሕድና ምንፍፋግን ምጉናይን ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና ኣሚንና ነቲ ኣውራጃይዶ ብሄረይዶ ሃይማኖተይዶ ዝብል ልዕሊ ሃገራውነት ከየቐደምና  ኣውራጃይ፥ ወይ ብሄረይ ክህሉ፥ ቅድም ሃገር ትሃሉ ዝብል ኣተሓሳስባ ቅድሚት ክስራዕ ከም ዘለዎ ክንሓስብ የድልየና ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ንርከብ ከም ዘሎና  ምስትውዓል ኣድላዪ እዩ። ኣብ መድረኽ ናይ ስልጣን ምጭባጥ ቃልሲ ዲና፥ ወይ ነዚ ፍልልያት ኣመሓዲርና ሃገር ኣብ ምድሓን ኣጸቢቕና ክንመራመረሉ ይግባእ። እንተዘይኮነ ሃገራዊ ሓድነትና ክነዕቅብ ኣይክንበቅዕና ኢና።

ድራር መንታይ

እንታይነት ጉጅለ ህግዲፍ ኣጉሊሖም ካብ ዘርእዩ ብዙሓት ባህርያቱ “ዘይግሉጽነት” ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ካብቲ “ህዝቢ ከገልግለኒ እምበር፡ ከገልግሎ የብለይን” ዝብል ትዕቢተኛ እምነት ናይቲ ጉጅለ ዝነቅል እዩ። ናይ ህግዲፍ ዘይግሉጽነት ካብ ዝንጸባረቐሎም ረቀቕቲ ሜላታት ንህዝቢ ዘይትግበር ቃል እንዳ ኣተኻ ምድንዛዝ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ናይቲ ጉጅለ መደንዘዚ ዘይግሉጹነት ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቁጠባዊ ጠለብ ህዝብና ንምድፋን ዝግበር ኣካይዳ ዝያዳ ጐሊሑ ክንጸባረቕ ጸኒሑ። ቅድሚ ክንደይ ዓመታት ኣብ ጥራይ ጐልጐል ንህዝቢ ኣብ ዘይድህሰስ ተስፋ ንምእሳሩ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝበሃል ዝነበረ ጃህራ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ኤርትራ ካብ መቑሕ ህግዲፍ ናጻ እንተወጺኣ ግና ከም ሲጋፖር ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ነታ ከም ብሌን ዓይኑ ዝርእያ ህያብ ስዉኣቱ ዝኾነት ናጽነቱ ከይሃሲ ክብል፡ ኣካይዳ ህግዲፍ ካብ ዝኩርኮሖ’ኳ ነዊሕ ግዜ እንተገበረ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዘይግሉጽነት ዓለሞም ንክሕንብስ ዕድል ሂብዎ እዩ። ህዝብና ዕድል ዝሃቦ ግና ኣብ ጸልማትን ዘይግሉጽነትን ክነብር ስለ ዝመረጸ ዘይኮነስ “እስከ ግዜ ሂብና ሃነኦም ነወደኣዮም” ብዝብል ትዕግስትን ጹረትን እዩ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይተፈለጥኩን ብዝብል ንናይ ህዝብና ትዕግስቲ ከም ሕመቕን ንነገራት ክትርዳእ ዘይምብቃዕን ወሲዱ፡ ነቲ ዘይግሉጽነትን ጥልመትን ቀጺልዎ። እዚ ጠላምን ዘይግሉጽን ኣካይዳ’ቲ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ዝደረት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ መለአ ናብ ጐረባብቲ’ውን ክፈስስ ምስ ጀመረ ግና “እምበርከ እዚ ኩነታት ናይ ድሓን ድዩ?” ዝብል ዝያዳ  ስምዒትን ጥርጠራን ኣሕዲሩ። ብፍላይ ናብቲ ሕጂ ኢሳይያስ ኣይከሰርናሉን ዝብሎ ዘሎ መላምልና ዝሃለቕሉ፡ ናይ ዶብ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ዶብ ውግእ ዝተባህለ ምስ ማዕበለ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መመሊሶም “ስለምንታይ?” ዝብል ሕቶ ሓቲቶም። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ዕድሜኡ ዘሕጽር ከይከውን ዝሰግአ ህግዲፍ ከኣ ኣብ ናይ ህይወቱ ምድሓን ዳምዳም ኣትዩ። ማእሰርቲ ናይቶም ብዙሓት ፖለቲካኛታትን ጋዜጠኛታትን ከምኡ’ውን ምዕጻው ዝርካበን ናይ ብሕቲ ሚድያታትን ከኣ ናይዚ ምልክት ነይሩ።

እዚ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ ሓቀኛ ተግባራት ህግዲፍ ክነቕሑ’ኳ እንተሐገዘ፡ ጌና በቲ ህግዲፍ ናይቲ ስጉምቱ ምኽንያት ኢሉ ለጋጊቡ ዘቕርበሎም ዝነበረ ዕባራ ምኽንያታት ዝተዓሸዉ ኤርትራውያን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ንዝኾነ ከጥቀዖ ዝደሊ ንሓንሳብ “ናይ ወያነ” ንሓንሳብ ናይ ጀሃድ ዝብል መለለዪ ሕብርታት  ምቕባእ ካብቲ ምኽንያት ሓደ ነይሩ። እንተኾነ እቶም ነዚ ዝኣረገ ጸለምኡ ዝኣምኑ ዝነበሩ እውን ካብ ንደገ ዘይቃላሕ ጥርጠራ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብ መወዳእታ ግና ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ መራሒ ህግደፍ እቲ ንነዊሕ ግዜ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ ክሕደት ሃገርን ህዝብን ኣብ ዕሙር ኤርትራውን ኢትዮጵያውን መድረኻ ምድጋሙ ብዘሕፍር ወደኽደኽ ዳሕዲሕዎ። ዋላ’ኳ ብኤርትራውያን “ኤህህ” እንዳተባህለ ከባብያዊ መደባቶም ከተግብረሎም ብዝለኣኽዎ ሃብታማት ከኣ ኣዋርቕ ተሰሊምሉ። እዚ ዘረድኣና ከኣ ህግዲፍ እውን ነቲ እኩይ ተግባሩ ግዜን ኩነታትን ከመዓራሪ እምበር ሓቢእዎ ክነብር መደቡ ከምዘይነበረ  እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ንርከበሉ ዘለና ክሕደቱ ዘግህደሉ ኩነታት ንምፍጣር ግዜ ከጣጥሕ ጸኒሑ እዩ። ኤርትራ መንእሰያታ ራሕሪሐምዋ ገረውረው ከም ዝበለት፡ ዓገብ ዝብሉ ፖለቲከኛታታን ምሁራታን ዝተኣርዋን ዝረሓቕዋን፡ ህዝባ ከኣ ብሕሱም ድኽነትን ስእነትን ኣዝዩ ዝሰኮነላ ምዃና ምስ ኣረጋገጸ እዩ “ደጊም ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዕሕሕ ዝብል ድምጺ ዘስምዕ ዜጋ የብላን” ኢሉ ምስ ኣመነ እዩ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ  ዝበጽሐ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ግና እቲ ሓቂ ከምቲ ዝገመቶ ዘይኮነ፡ እነሆ “ይኣክል” ዝብል ሕራነ ዝማእከሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሓያል ተቓውሞ ወጢርዎ። ወየ ናይ ህዝቢ ስቕታ ትዕግስቲ እምበር፡ ፍርሒ ወይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ዘይምርዳእ ከምዘይኮነ ይንገሮ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዓለምለኻዊ ትካላት ብዛዕባ ግህሰት ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ዝወርዶ ዘሎ ኩነኔ’ውን ምስዚ ደሚርካ ዝምዘን እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ህግዲፍ ጀሚሩ ዘይፈጸሞ ኤርትራን ህዝባን ናይ ምጥፋእ ትልሙ ከተግብር፡ ንሕና ከኣ ኤርትራን ልኡላውነታን ምስ ምዑት ህዝባ ከነድሕንን ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ከነንግስን ወሳኒ ቃልሲ እነካይደሉ ዘለና ውዑይን ወሳንን መድረኽ እዩ። ህግዲፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ በብመድረኹ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ እኩይ ሕቡእ ጥበብ “ማይ ዘይጠዓመ” ዝብሎ መታለሊ መንገዲ ሒዙ ይቐርብ ኣሎ። ንህዝብና ግና ዝኣረገሉ ባዶ መብጸዓ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ማእከላይ ትሕዝቶ ናይቲ ምትላል ከኣ፡ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ብዛዕባቲ ዘልዕሎ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ተባራዒ ዛዕባታት ዘዛርቦ፡ ዘይጽላእ’ኳ እንተኾነ ኣብ ቀዳምነት ብዘይስራዕ ኣጀንዳታት ናህሩ ከተነክዮ ምፍታን እዩ። ህዝብና ጉዳይ ዶብ፡ ጉዳይ ሕገምንግስቲ፡ ጉዳይ እሱራት፡ ጉዳይ ልዕልና ሕግን ምኽባር ኩሉ መሰላትን  ንቕድሚት ኣብ ዝሰርዓሉ እዋን፡ መራሕቲ ህግደፍ ከኣ ኣብቲ ብፍርቂ ልቦም ብተዳህለ ሞራልን ተስፋን ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባታት ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዮም ኣብ ዞባውን ከባብያውን ዛዕባታት ክሕብኡ ይፍትኑ ኣለዉ። ቀንዲ ዓላማኦም ከኣ ንማዕበል “ይኣክል” ንምኹላፍ እዩ።

ሎሚ ምናልባት ተስፋ ቆሪጹ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝርኢ ዓይኑ ዝተደፍነ እንተዘይኮይኑ፡ ንመዳህለሊ ሜላ ህግደፍ ሓቂ ኢሉ ዝቕበል ኤርትራዊ ይህሉ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት ኩነታት ኣጊምዎ ደው ኢሉ ዝዕዝብ ይህሉ ይኸውን። እዚ ወገን’ዚ ድሕሪ ትዕዝብቱ ናብ ማዕበል ይኣክል ከም ዝሕወስ ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ብጽኑዕ ውዳበ ክስነ ዝግበኦ “ይኣክል” ንህግዲፍ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ ኢሎም ንህግደፍ ዕድል ክህብዎ ዝጸንሑ ሎሚ ግና ከይዕሸዉ ዘተንቅቕ ምዃኑ ነስተውዕል። “እዚ ዓሻስ፡ ከዕሽወኒ ጣፍ ይነቅዝ’ዩ ይብለኒ” ክንብል ይግበኣና።

ናይ ኣልጀርያ ቁዋም ቤት ምኽሪ ንናይ ኣልጀርያ ፕረሲደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ምሕዳግ ስልጣኑ ተቐቢልዎ። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኣልጀርያ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ። ንሱ ኣብ መግለጺ እቕረትኡ: ”ምውዳቕ ሰብኣዊ`´ዩ በዚ ድማ ንዂሉ ብቓል ይኹን ብግብሪ ኣንጻርኩም ንዝፈጸምክዎ ኩሉ በደል እቕረታ እሓትት” ዝብል`ዩ ዝርከቦ እቲ ኣብ ነዊሕ መልእኽቱ ዝሓተቶ እቕረታ ብመላእ ትሕዝተኡ ኣብቲ  ናይ ኣልጀርያ ዜናዊ ቤት ጽሕፈት ኣፐስ ተዘርጊሑ ዘሎ።

83 ዝዕድሚኡ ቡተፍሊቃ ካብ ስልጣኑ ዝሳናበት ዘሎ ድሕርቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ናዕቢ ህዝቢ ኣልጀርያ ኢዩ። ሕጂ ድማ ህዝቢ ኣብ ማእከል ኣልጀር ብምእካብ ንምግዳፍ ስልጣን ፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ብሓጎስ ተሊኡ ደስትኡ ይገልጽ ኣሎ። ንፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ዝትክእ መን ምዃኑ ዛጊት ዝተፈልጠ ኣይኮነን።

ህዝባዊ ሃገራዊ ተለቭን ሽወደን

ዕለት 4-ሚያዝያ 2019

ኤርትራዊት ኣደ

Thursday, 28 March 2019 22:13 Written by

ኣደ እቲ ሞያኽስ ነይዋሓደ

እቲ ጅግንነትኪ'ውን ጸላኢ ዘሰንበደ

አረ ለዋህ ኢኺ በቑባቕ ብተፈጥሮ

ብዙሕ ይሓጽረኒ ብቓላተይ ንኽስፍሮ

    ክንዲ ዝወለደት ዳቃ ዘረከበት

    ክንዲ ዘዐንገለት ንጸላእታ ዝሳዓረትq

    እዚ ዶ ምኾነ ጻማ ውዕለታ

    ንድርብ ወጽዓኣ ተቓሊሳ ክንሳ መኪታ

ብጸልማት ኣይበት ብብርሃን

ንኹሉ ሓሊፋቶ ብድሓን

ክሓልፈላ ክትለብሶ ናይ ሓርነት ሽቦ

ግን ሰሪቖም ብምውሳድ ደርቢዮሞ ናብ'ቲ ጎቦ

    ጎቦታት ከይበለት ሰናጭሮ

    ቅጫ ብምቑጻር እንጀራ ብሽሮ

    ማይ'ውን ኣይተረፈን ብብራሾ ብዕትሮ

ንዝጠመየ የዐንጊላ ተረስርሳ ንዝጸምአት ጎሮሮ

እዛ ኣደ! ኣብ ቅድሚተ ግንባር-- ዘይትብል ንዳሓር

ንሂወታ ዘይትበቃ --ንመስዋእቲ ዘይትርሕቃ

ትኣሊ ንብጾታ ንእህህታ-- ብፈገግታ

ኩሉ ዶ'ታ ክብላ--ቃላት ስኢነላ

    ወሊዳ ተዕቢ--ንሃገር ትናቢ

    ትምህር ትኵስኩስ-- ንሃገር ትልግስ

    ተስንቕ ተዐጥቕ--ንጸላእታ ከተሕቅቕ

    ሓያል ብተፈጥሮ--ኣንቲ ጽላል ዳዕሮ

ተጽንዕ ትትልም--ክዳን ደቃ ትኣልም

ትሓጽብ ተጽሪ--ንኹሉ ትሓሊ

ትዓጥቆ'ቲ ብረት--ሸጥ ማዓንጣ ኣብ እምነት

ትግስግስ ትዳሎ--ዕርድታት ገዛእቲ ክትብልሎ

    ንኹሉ ድልውቲ'ዛ ውሕልልቲ ክብርቲ

    ለዋህ ብተፈጥሮ በላሕ ብኣእምሮ

    ሃያብ ንፈተውታ--መርዛም ንጸላእታ

    ኤርትራዊት ኣደ የብላን መሰታ

ኣይእዳን ኣይናታን ነዚ ኣይነበረን  ዓስባ

ሸውሃታ ዓጼሞ ንትርግታ ናይ ልባ

ማዕጾ ይገበሮ ኣደ ተከተዕርፍ

ባህጋ ሰሚሩላ  ጾራ ከተራግፍ

    ኣደ ትገብሮ መን ይገብሮ

    ንኹሉ ኣብ ከብዳ ከም ውላዳ ትጸሮ

    ንሕማቕ ከም ጽቡቕ ኣብ ልባ ትሰትሮ

    ከም'ዚ ኢዩ ነሩ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ኩሉ ዝምስክሮ

እንተ ሕጅ ግና ባዕልኺ ሓብርና'ቲ ዝና

እንታይ'ዩ ዝብለኪ ትትረግጽዮ ዘለኺ ጎደና

ካብ ደገ ንውሽጢ ትመላለሲ ንእርትራ

ተሸልምኪ በዋርቕ ዘቑጸልጸለ ሕብራ

    እንታይ ከ ትብለኪ ኣደ'ታ ስውእቲ

    ኩሉ ሂባ ዝሳኣነት ሓንቲ

    እንታይ ከ ተዓዚብኪ ካብ መንብሮ'ታ ስንክልቲ

    ኣካላ ኣወፍያ ዘንበርከኸት ጸላእቲ

ይኣክል ዝብላኺ- ኣለዋ ኣብ ጥቓኺ

ኢደን ዘይሃባ ዝቃለሳ ኣንጻር'ዚ መላኺ

ንዓኺ ወሲንኸን ሓራ ከውጻኣኺ

ንዒ ሕበርየን ንሱ'ዩ ግርማኺ

    ኤርትራዊት ኣደ ሎሚ'ውን ከም ቀደኪ

    ኣይ'ቲ ሃቢ ኢድኪ ኣይተረክብዮም ስልማትኪ

    ክሳብ ትለብስያ ዝፋን ናይ ኣኽሊልኪ

    ካብ ድርብ ወጽዓኺ--ሓራ ከይወጻእኺ                                                                                                

ስለ'ዚ ምእንታኺ ንሰላም ዝግስግሱ

ብስነ-ፍልጠት ንጐደና ዝህንዱሱ

ኣለው ዝበቑሉ ንመንፈስኪ ከሓድሱ

ካብ ማህጸንኪ ዝወጹ ዝፈለሱ

    ግን እዚ ዕሸል ብቑሊ ባልዕ ከይረኽቦ

    ዓንቢቡ ከሸወተ ፍልሖ ከይሰልክዎ

     መድሃኒት ኩንዮ ከም ኣመልኪ

     ምስጢርኪ ዕቖብዮ ከም ቀደምኪ

መስዋእትነትኪ--ንበኮትነት ኣይኮነን

ጸላኢኺ ይድነን--ቃልስኺ ይሕነን

      

ሓደ ነቲ ካልእ ብውግእ ምስ ዝስዕሮ፥ ሓደ ሓያልን ሓደ ከኣ ድኹምን ይኾኑ እሞ፥ እቲ ሓያል ነቲ ድኹም ተመሊሱ ሓይሊ ከይፈጥር፡ ብኹሉ ሸነኽ ማለት ብቁጠባ፥ ዲፕሎማሲ፥ ፖለቲካዊ ከዳኽሞ ናይ ሰዓርቲ ባህሪያት እዩ። ካብቲ ዝሓሰብዎ እውን ብምንም ዓይነት ክላቐቑ ድልዋት ኣይኮኑን። ኢሰያስ ውን ስዒሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን “ጸሓይ ብዝዓረበቶ ተመሊሳ ኣይትበርቕን እያ ውን” ኢሉ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና ተረኺቡ ዘሎ ጉዳይ፥  ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዝመሳስል፡  ካብ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኣትሒዝካ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ንልኡላውነት ሃገርና ዝፈታተን ከይከውን ዘጠራጥር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ልክዕ እንታይነት ናይቲ ዝድለ ዘሎ ስምምዕ ስለዘይግለጽ ኣብ እንተታት ክተድህብ የገድደካ። ካብዚ ሽግር ከይንላቐቕ ድማ ተቓወምቲ ሕዝ ፍንጥሕ፥ ኣልቦ ስምምዕ ኮይኑሉ ዘሎ ህሞት ብቐሊሉ ንዘልቆ ኣይመስልን። እዚ ነታ ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ኣብ 1975 ዘበላ የዘኻኽረካ። ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ዝበሎ፥ ”ሃገራዊ ቃልስና ክዕወት ናይ ግድን እኳ እንተኾነ፡ ሓርነታዊ ቃልስና ግን ገና ሓምሳ ዓመት ከድልዮ እዩ።” ካብታ ነዚ ቃል ዝበሎ ኣትሒዝና እተን ሓምሳ ዓመታት ከመልኣ ሽዱሽተ ዓመት ተሪፉ ኣሎ። ስለዚ ፣ምናልባት ካብዚ ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ኣካይዳን ኣብ ንሓድሕዱ ምትፍናን ወጊዱ ብሃገራዊነት ስምዒት እንተተቓሊሱ ኣብ 2025 ዋግዋጎ ናይ ሓርነትና ይቀላቐል ይኽውን። ካብኡ  ሓሊፉ ኣነ ውን ብወገነይ “ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ደኣ ከይትብሉኒ እምበር ኣብ 2035 ብርሃን ንርኢ ንኸውን እብል።

ሎሚ፥ እቲ ምኽንያት መንቀሊኡ  ብዘይተፈልጠ ስምምዕ ናይ ኢትይጵያን ኤርትራን ዶብ ኣልቦ ናብ ዝብል ኣጉል ሕልሚ በሰላም ከንበረና እዩ ዝብል ሓሳብ “እዛ ዳዋ ተምጽኦ ኣለዋ” ከምዝበሃል ከይከውን ነገሩ ዘተሓሳስብ እዩ።  ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ፍሉጥ ዝነበረ ዶባታ፥ ዋላ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ከይተሓንጸጸ ዝተረፈ ክህሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፥ ኣብቲ ግዜ ስምምዕ ውን መሬት ኤርትራ ዝተወስደ ክህሉ ይኽእል እዩ። እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ሓጊዛ ንጣልያን ኣብ ዝወግኣትሉ ውን እንተኾነ፡ ገለ ካብ መሬት ኤርትራ ከይተሸርመመ ዝሓለፈ ኣይመስልንን። ሕጂ ድማ እነሆ ትማሊ ኢሰያስ ብሰንኪ ዶብ ማዕረ ሰላሳ ሽሕ ዝተሰውኡሉ ቀያሕቲ ደቅና፥ ሎሚ ምልስ ኢሉ ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣሎና፥ ዶብ ይተሓንጸጽ ዝበሃልሲ ውግእ ንምጽሕታር እዩ ዝብል ዝበለየ ሽጣራ ብእይከሰርናን ክድምድሞ ከሎስ ናይ ምንታይ ንዕቀት እዩ። ናትና ከይፈለጥናኸ እንታይ ዓይነት ሰላም እዩ ክሰፍን። 

ሻዕብያን ወያኔን ነቲ ናይ ኮሙዩንስት ዕላማ ዝተሓንገጠ መንግስቱ ሃይለማርያም ክድምስሱ ሓቢሮም ተቓሊሶም። እዚ ድማ ንጀብሃ ውን በቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ሕቡእ ኣጅንዳ ከምዘይትሰማምዖም ስለዝፈለጡ፥ ክትድምሰስ ተፈሪድዋ። ተመሊሳ ወያኔ  ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ተበየነ ቅድም ክንዛተ ኣሎና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉዳይ ናይ ዶብ ክሳብ ሕጂ ከይተሓንጸጸ ተሪፉ። እዚ ስለምንታይ እዩ ናብ ከምኡ ደረጃ ተበጺሑ? እንታይ ስለተደልየ እዩኸ ከምኡ ተሓሲቡ።? ምስቲ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝበሎኸ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? ማለት ዶ/ር ኣብይ’ውን እኮ ቅድም ምርግጋእን ምትእምማንን ንፍጠር ኢዩ ዝበለ። እዚኣስ ሰላሕታ ወራርዶ ኣይተብልን። እዚ ምስቲ ናይ ወያኔ ክተነጻጽሮ እንከሎኻ ብዙሕ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ወረ ናይ ዶ/ር ኣብይሲ’ውን ፓርላማኡ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ የለን  እዩ ዝብል። እቲ ዶብ እንተዘይተሓንጺጹኸ እንታይ ሳዕቤን ወይ ትርጉም ኣለዎ? ነቲ  ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ብኽልቲኡ ሸነኽ ካልኣዊ ዝብል ዘረባ እዩ ዝስማዕ ዘሎ። ካልኣዊ ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ብዙሕ እንተታት ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ሓደ ብሄር፥ ታሪኽ፥ ባህሊ፥ ቋንቋን ታሪኽን ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎስ፥ ሓደ ቋንቋ ባህሊ ታሪኽ ዝብል ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እቲ ክርስቲያናዊ ሸነኽ ካልእ ምስ ሰዳን ዝዳወብከ ቋንቋን ባህልን ታሪኽን ዘተኣሳስሮ ሕብረተሰብ የብልናን ዲና? እዝስ ነቲ ኣብ ግዜ ሓያላን መንግስታት ብፍላይ መንግስቲ እንግሊዝ እቲ መታሕት ንሱዳን እቲ ከበሳ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ምምቃል መደብ ወይ እውን እንተወሓደ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምፍልላይ ወይ ድማ ኣብ ነንሓድሕዱ ከምዝጠራጠር ንምግባርዶ ኣይመስልን። ምስናይ እዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕራ ስኢና፥ መነሊክ ንኤርትራ ያኢ ከም ኣቕሓ ቆጺሮማ ሸይጥዋ ክብሉ እንከለዉ፥ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎ ማለትዶ ኣይኮነን። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺምካ ኣላሽ ከምዝብል ገርካ ክሳብ ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕ ስኢኑ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን መንነታውን ቅልውላው ንኽሽመም እዩ ዝመስል።

ስለዚ ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክሕንጸጽ እንከሎ እዩ ምትእምማንን ሰላምን ክፍጠር ዝኽእል። ምኽንያቱ ብሕጊ ንዝተወሰነ ኣብ ተግባር እነተዘይ ውዒሉ፡ ዝያዳ ዘየተእማምንን ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእን እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ሕጊ ጥሒሱ ንዝጎዓዝ በየናይ ሕጊ ጌርካ ኢኻ ደው ክተብሎ። ዶብ ክሕንጸጽ እንከሎ ግን ድንክል ክተቕምጥ ምዃንካ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነናትካ ፈሊጥካ ኣብ ሓድሕዳዊ ርክባት እትኽተሎ ሕግታት ዝተኣማምንን ሰላምን ቅሳነትን ከውሕስ ይኽእልን ይኸውን። ህዝብን መንግስትን’ውን ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ዝስግሮን ዘይሰግሮን ፈሊጡ በቲ ዝተሰማምዕሉ ሕጊ መሰረት ብኣገባብ ክጎዓዙ ከለው እዩ ምቹእ ሃዋህው ዝፍጠር። ስለዚ ዶብ ኣብ ክንዲ ምሕንጻጽ ቅድሚኡ በዝን በትን ክንሰማማዕ ኣሎና ምባል ነታ ባድመ እውን ብሕጊ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ተፈልጠ ዶብ ዘይምሕንጻጽ፥ ምስ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ  ክተኣሳሰር ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ማለት ምስቲ ኢትዮጵያውያን ኣፍደገ ባሕሪ ስኢናን ካልእን ምባሎም ክተታሕዞ እንከለኻ ባድመ ክንገድፈልኩም ዓሰብ ብናጻ ግደፉልና ናብ ዝብል ሓሳብ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብምኽንያት ይኹን ብዘይምኽንያት ዝደናጐ ዘሎ ከብለካ ዝኽእል። ስለዚ ቅድም ንዛተ ወይ እውን ምርግጋእን ሰላምን ንፍጠር ምባል መሀመሊ እዩ። ብተወሳኺ ነቲ ብሕጊ ዝተበየነ ሓንጊድካ መሬትና ተጎቢጡ እንከሎ ንዛተዶ ነረጋግእን ነተኣማመንን ዝበሃል፡ ፈረስ ድሕሪ ሰረገላ ዝዓይነቱ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራ ዘይምሕንጻጽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ዘይምውጻእን፡ ከምታ ናይ ጎላን ኮረብታ  ብእስራኤል ተታሒዙ ዘሎ መሬት ሱርያ እዩ ክኸውን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ “ለውጢ” ዝብል ቃል ኣዝዩ ዝውቱር ኣሎ። “ይኣክል” እውን ከምኡ። ክልቲኡ እዋናዊ ቃላት ክወሃሃድ እንከሎ ከኣ “ወጽዓ ይኣክል፡ ለውጢ ይረጋገጽ” ዝብል መሰረታዊ ቁምነገር የንጸባርቕ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓን፡ ሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ድንዕምንዑን፡ ንሕና እንዕዘቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሒ ህግዲፍ ባዕሉ ተጠሊዑ ብዘነውር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝብሎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ኢሳይያስ ዝሓስቦን ዝብሎን፡ ባዕሉ እንከለዎ፡ እንዳመሓየሹ ጽቡቕ ምስሊ ንከትሕዝዎ ናቶም ምህዞ ወሲኾም “ከምዚ ክብል እንከሎኮ፡ ከምዚ ማለቱ  እዩ” እንዳበሉ ከመላኽዕዎ ዝጸንሑ ግሩሃት ወይ ጐረሓት ወገናት እውን፡ ሎምስ ሕሩጮም ወዲኦም ከም ሰቦም ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሰብኣይዚ ከይተወገደኮ” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚኣቶም ሎሚ ኢሳይያስ ደጋጊፍካ’ውን ጽቡቕ ክወጾ ከምዘይክእል ዝተኣመኑ ይመስሉ። ኣብዚ ክዉን ነገር ናይ ምቕባል ደረጃ ዘይበጽሑ ኤርትራውያን እንተልዮም ግና፡ ካብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ወጻኢ ዝነብሩ እዮም ክኾኑ።

ትርጉም ናይዚ “ለውጢ” ዝብል ቃል ካብ ምውጋድ ህልዊ ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ዝምለስ ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብትሕዝቶኡን መንፈሱን ዝተፈልየ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝማእከሉ ስርዓት ምትካእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብ”ይኣክል” ተሰንዮም ዝቐርቡ ዘለዉ ናይ “ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት በቲ ዝተኣወጆ መሰረት ይተግበር ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት ይጣየሱ፡ ዶብና ምስ ኢትዮጵያ ብመሰረቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ይመልከት፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ጉልቡብ ዝምድና ንህዝቢ ይተሓበር፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ መሰረታዊ መሰል ህዝብና ይከበር” ዝብሉ  ህጹጽ መልሲ ዘድልዮም ኣፈናዊ ጠለባት እዮም። ናይዞም ጠለባት መልሲ ካብ ህግደፍ እንጽበዮ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሓይልታት ለውጢ፡  ባዕልና ተግበርቲ ክንከውን ይግበኣና።

እዞም ዝተጠቕሱ ጠለባት ህጹጻት ኮይኖም፡  ብመሰረቱ ናይ ለውጥና መሰረታዊ ጠለብ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራ፡ ብዙሕነት ብግቡእ ዘመሓደረ፡ ልኡላዊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዝዕቅብ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምትካል እዩ። እምበኣር ውድቀት ህግዲፍ በዚኦም ክስነ እንከሎ እዩ፡ እዚ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ሓቀኛ ለውጢ ዝኸውን። ኪኖ ውድቀት ህግዲፍ ኣንዊሑ ዘይርእን ግቡእ ምድላው ዘይገበረ ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሒቑ ዘይርእን ለውጢ ግና እዚ ንረግሞን ንቃለሶን ዘለና ህግደፋዊ ህይወት መልክዑ ቀይሩ ከይመጽእ ውሕስነት የብሉን። ስለዚ እቶም ንቃለስ ዘለና፡ ናይ  ኣብ መቓብር ህግደፍ ዘተኣማምን ለውጢ ከነምጽእ፡ ንገዛእ ርእስና እውን ክንልወጥ ከድልየና እዩ። ነቲ ህግዲፍ ከውሕሶ ዘይበቐዖ፡ ብምውሓስ፡ ብመሰረታዊ ረብሓ ህዝብናን ክብሪ ልኡላዊ ሃገርናን ዝቃነ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ክንውንን ዘብቀዓና ካባና ዝጅምር ለውጥን ቅሩብነትን ከነርኢ ናይ ግድን እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህግደፍ እነውግደሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ እንዳለወሉ ብዓል ድርብ ዕማም እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣንዊሕና እንተዘይሓሲብና ኣብ ናይ ምፍራስ እምበር፡ ኣብ ናይ መሊስካ ዝሓሸ መተካእታ ምህናጽ መሰረታዊ ሓላፍነት የለናን  እዩ ከስምዕ። ናብ ዝሓሸ ንኸይድ ኣለና እንዳበልና፡ ናብ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ኣተሓሳስባ ከይንኣቱ ውሕስነት ክህልወና ይግበኦ። እዚ ከኣ ቅርቡነ እንተልዩ ዝከኣልን ኣብ ኢድና ዘሎን እዩ።  ነዚ ንጠልቦን ንቃለሰሉን ዘለና ውሑስ ለውጢ እነዕውት፡ ንሕና ባዕልና እምበር ህግድፍ ክተግብረልና እንምሕጸነሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህግዲፍ ኣግሂዱ ለውጥን ወረ ለውጥን ከይሰምዕ እዝኑ ከም ዝጸመመን ልቦናኡ ከም ዝተደፍነን ደጋጊሙ ኣርእዩናን ኣስሚዑናን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ኳ፡ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ኣብ ጀነቭ፡ ተጠሊዑ ዓይኑ ከይሓሰየ ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ሰብእውን ዲሞክራስያውን ተዓዘብቲ “ፖለቲካዊ እሱራት የብለይን፣ 11 ኣብያተ ማእሰርቲ ጥራይ እየን ዘለዋኒ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፍጸም ጥሕሰት የለን፡ ኣብያተ ፍርዲ ናጻ እየን፡ መንእሰያት ዓዶም ገዲፎም ይፈልሱ ኣለዉ ዝበሃል ናይ ጸላእቲ ጸብጻብ እዩ” ዝብል ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ዘይገልጽ መስልስታት ክህብ  ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኮነ ደረቐኛ ሓሳዊ’ውን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ግዜዚ መመሊሱ ዝዕምር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን፡ እቲ ዘሰማምዓና ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ፡ “ብውሑዳት ዝዝወር ጭቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ተወጊዱ፡ ወሳኒ ልዕልና መላእ ህዝቢ ኤርትራ በሪኹ ዝረኣየሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል” ዝብል ንኹልና ዝውክል ሚዛን እዩ። ኣብዚ ናይ ሓባር ተረድኦና ንምድማዕ፡ ነባር ሓድሽ፡ መንእሰይ ዓብይ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ጓለንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኣብ ዲያስፖራ፡ ገጠርን ከተመኛን ምሁር ዘይተማህረን፡ ፖለቲካዊ ውድብ ሲቪላዊ ማሕበር፡ እናተበሃልና ክንውደብ ወይ ክንንቀሳቐስ እንከለና ዘባእሰናን ዘድክመናን ኣይኮነን። እቲ ናይ ለውጢ ኣበርክቶና ግና ከበየናይ ወገን ይምንጩ ብዘየገድስ  ናብቲ ናይ ሓባር ናይ ለውጢ ማዕበልና ክውሕዝ ይግበኦ። ነዚ እንተበቒዕናዮ ሓደ ካብ ውሕሉል ኣመሓድራ ፍልልያትን ስምምዓትን ኮይኑ፡ ናይ ለውጢ ሓይልና ዘዕንትር ጥራይ ዘይኮነ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ መወዳደሪና ፍትሓዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ሜዳ’ውን ዝምድምደልና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ እምበኣር፡ ማዕረ ንናይ ለውጢ ባህግና ንገዛእ ርእስና እውን ክንልውጥ ግዜ ዘይህብ ሓላፍነትና እዩ።

ቀዳም ዕለት ዕለት 16 መጋቢት 2019 ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ተኻይዱ። ቀንዲ ዛዕባ መካትዒ ኣብ መሕበሪ ጉባኤ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም ነይሩ።

ኣብዚ ምልኣት ኣባላት ዘንጸባረቐ ኣኼባ ኣባላት ዓሚቝን ሰፊሕን ትምህርታዊ ሓዘል ዝሰፈኖ ምይይጥ ኣካይዶም። ድሕሪ ኣስታት 3 ሰዓት ዝወሰደ ኣኼባ ኣባላት ሃብታም ዝኾነ መኣረምታን መወሰኽታን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ታሳትፎ ናይ ነፍስ ወከፍ ኣባል ዝንኣድ ነይሩ።

ግሉጽነት ባህልና እዩ

ኣብዚ ሰሙናት’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል (Enough Is Enough) መልእኽትታት፡ ኣዝዩ ዘተባብዕን፡ ዝያዳ ክተባባዕ ዘሎዎን ተበግሶ ኢዩ። ንዕቱብ መልእኽቲ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ ከኣ የዘኻኽረካ።

ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ፡ ብ11 ለካቲት 1990 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኤ ኣብ ዘስመዖ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡-

We have waited too long for our freedom. We can no longer wait. Now is the time to intensify the struggle on all fronts. To relax our efforts now would be a mistake which generations to come will not be able to forgive.

‘’ንሓርነትና ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጸቢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ንቓልስና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ከነሐይሎ ዘሎና ሕጂ ኢዩ። ሎሚ ብቓልሲ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኮነን። እንተተዛኒና፡ መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ክንፍጽም ኢና!!

ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ17 መጋቢት 2019 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣቃኒዑ። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣብላት ጨንፈር ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፤ ተሳተፍቲ ኣብቲ ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳታት ዓሚቊ ምምይያጥን ሰፊሕ ተሳትፎን ኣርእዩም።

ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ውሽጣዊ ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ከመይ ገርና ነስርሓዮን ነሐይሎን ዝብልን፣ ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ጎድኒ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤን ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፍን ኰና እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብሉን እዮም ነበሩ።

ኣኼበኛታት ንምሕያልን ምብርባርን ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ኣብ ዝብል ኣጀንዳ እነካይዶ ቃልስን ምትእስሳር ሰልፊ ምስ ኣባላትን፣ ኣባላት ንሰልፊ ብዘስንቕዎን ዘገልግልዎን ኣገባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባላትውን ካብ ሰልፊ ብዝረብሑሉ ማለት ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን ኣገልግሎት ዝረኽብሉን፣ ዝመሃሩሉን ዝምዕብሉሉን ኣገባብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ብዝምልከት ድማ ማዕረቲ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤ ዝጠልቦ ጠለባትን ዝያዳ ተወሳኺ ጨንፈራዊ ጻዕርታትን ተበግሶታትን ወሲዱ ንዓወት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዕም። ነዚ ስምምዕዚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ግብራውነት ንምልባስ ድማ ከም ጀማሪ ግብራዊ ስጉምቲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ዕለተ ኣኼባ ብዓቕሞም ንዓወት 3ይ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝውዕል ገንዘባዊ ወፈያ ኣካይዶም፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብውን ኣዋህሊሎም።

ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ!