ኤርትራውያን ኣብ ፈታኒ ቀራና መንገዲ ካብ እንኣቱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝመጻእናዮ መንገዲ ኩሉ ሳላ ተስፋ ዘይምቑራጽና ዝተሰግረ እምበር ኩርኳሕ ዘይተፈልዮ እዩ ነይሩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን። ነቲ ኩሉ ሰጊርና ክንበጽሖ እንምነዮ ህይወት ከኣ ጌና ኣይበጻሕናዮን።

ኣብዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ጉዕዞና እቲ ብደሆ፡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ፡ ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን መሰል ምስኣን፡ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ፡ ኣብ ፍጹም ኢደወነናዊ ምልክን ኣርዑት ምውዳቕ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዘይምህላው፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ምእታው ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑ። ነዚ ኩነታት እዚ ብቃልሲ ስዒርና ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ከኣ መላእ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ጸኒሑን ኣሎ። እዚ ከም ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ ብደሆ፡ ምስ ናይ ካለኦት በዚ ንሕና ንሓልፎ ዘለና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉን ስዒረምዎ ኣብ ዓወት ዝበጽሑን ተመሳሳልነትኳ እንተለዎ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ኣብ ኤርትራ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ።

ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ እነሆ ሎሚ ካልእ መላእ ዓለም ዘንቀጥቅጥ ብደሆ ተደሪቡና። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስቲ ምሳና ዝጸንሐ ኤርትራዊ ጸገም ነናቶም መንቀሊ፡ ኣተሓሕዛን ምምሕዳር ዘለዎም ኮይኖም፡ ኣይጸላለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ክሓልፎ ዝጸንሐ ኣሻኹ ህይወት፡ እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ሕማም ዝያዳ ሃሳዪ ንክኸውን ባይታ ዝምድምደሉ እዩ። እዚ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ነተን ብኹሉ መለክዒ “ከኣልቲ ኩሉ ኢና” ኢለን፡ ናይ  መሬት ወዴን ኣብ ናይ ህዋ ውድድር ኣትየን ዝነበራ ሃገራት፡ ክሳብ ክንዲዚ ከፍረሐን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ከም ህዝብና ዝኣመሰለ ብብዙሕ ናይ ወጽዓ ቀጸላታት ክሳቐ ዝጸንሐ ከውርዶ ዝኽእል ማህሰይቲ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህዝብና ከምቲ ዝተገልጸ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ሓድሽ ናይ ሻቕሎት ምዕራፍ፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን ኣብ ዝለዓለ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ዝጸንሐ እዩ። እቲ  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣቐዲሙ እውን ንብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ከሻቕል ዝጸንሐ፡ ስእነት ጽሩይ ማይ፡ ስእነት ሓይሊ መብራህትን ስእነት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዕዳጋን ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ምስዚ ዓለም ለኻዊ ሓደጋ ተጐዝጒዙ ንህዝብና ከም ዝሃስዮ ምስትብሃል ኣድላዪ እዩ። ዓቕሚ ትካላትን ክኢላታትን ጥዕና ኣብ ኤርትራ እውን ካልእ ዘየቕስን ጉዳይ እዩ። እዚ ሕጽረት እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ከምብሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወትሩ ርኡይ ናይ ምሕባእ ኣመል ዘለዎ ጉጅለ ህግዲፍ እውን ብዘይካ “ክንድዚ ዝኾኑ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም” ዝብል መጻኢ መዋጸኦ ዘይእምት ቁርጽራጽ ሓበሬታ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ንምስጋር ከለዓዕልን ኣፍ ኣውጺኡ ሓገዝ ክሓትትን ኣይስማዕን። ወያ “ምምሕዳር ህግዲፍ  ሓገዝ መፈወሲ መሳርሕታ ኣይቅበልን ኢሉ” እትብል ሓበሬታ እውን ፈኸም ትብል ኣላ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ምጽቃጥን ካብታ ዝርካባ ሚድያኡ ምሕባእን ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ምናልባት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታት፡ ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ነብስና ስለ እንኽእል ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ” ኢሉ ከይሕክል ዘየስግእ ኣይኮነን።

እምበኣር እዚ ጉዳይዚ፡ ናብቲ ካብ ቀደሙ እውን ዝቐበጽናዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝገበረ ይግበር ኢልካ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን በቲ ልሙድ ልግስና ክንተሓጋገዝ ይግበኣና። ሓቂ እዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህግዲፍ ንኹሉ ብገዛእ ብገንዘቡ ናይ ምጥቃም መሰሉ ገዲቡ ስለ ዘድከዮ፡ ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ንዕዘቦ ዘለና ርኹባት ዝበሃሉ ወገናት ነብሶም ክኢሎም ንዜጋኦም ክሕግዙ ኣይክእሉን እዮም። ምናልባት እውን ብውሱን ዓቕሞም ሓገዝ እንተገበሩ “ካበይ ኣምጺእኩም ትሕግዙ ኣለኹም” ከይበሃሉ ዘይሰግእሉ ምኽንያት የብሎምን። ብዝኾነ ግና ዋላ እውን ንእሽቶ ትኹን፡ ንጐረቤትካን ኤርትራዊ ወገንካን ካብታ ዘላትካ ናይ ምክፋል ባህልና ሎሚ ኣብዚ ወሳኒ ኩነታት ከነዘውትሮ እዋኑ እዩ። ከምቲ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፡ ዋላ ደም ትተሓለበልካ” ዝበሃል፡ ተስፋ እውን የዕንግል እዩ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ሓሊፉ እንጸውየሉ እዋን ክመጽእ እዩ እሞ “ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” ከም ዝበሃል ልግሲ እንዳሓደረ ዘሕጉሰና ተግባር ምዃኑ ኣይንረስዕ።

ብዘይካዚ እዚ ከቢድ ጸገም ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካተን ንህግዲፍ ምጽብባቕ  ዝሓዳረን፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጠን ሚድያታት፡ ህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ዘበናዊ ሚድያ የብሉን። ሓበሬታ ቀንዲ መከላኸሊ ናይዚ ሓደገኛ ሕማም ኮይኑ ከም ዘሎ ከኣ፡ ከካብ ገዛእ ርእስና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ስለዚ እቶም ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለዉ ንጡፋት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ፡ ብቐጻሊ ንህዝብና ሓበሬታ ከስንቑ ይግበኦም። ህዝብና ከኣ ነቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዘለዎ ዓቕሚ ከይነዓቐን በቲ ተጻዒንዎ ዝጸንሐ ጸገም ከየማረረን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ይግበኦ። ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ደጋጊሙ ናይ ምሕጻብ ጸገም ከም ዘጋጥሞኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተረሓሒቕካ ምኻድን ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ግና ንህግዲፍ ዘይጽበየሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ከተግብሮ ይግበኦ። ስነስርዓት ጸሎትን ካልእ ተኣኪብካ ዝዝውተር ባህላዊ ጉዳያት እውን ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከዘውትር ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ይገደሰሉ።

ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራርዲ - ኮምሽነር ላዕላዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ

ክቡር ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም - ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕላሊ - ጀነቫ

ቅዳሕ፡-

ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቆብቲ ሃገራት

31 መጋቢት 2020

ጉዳይ፡-

ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ጸረ-መቕዘፍቲ ኮሮና ቫይሩስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕጽንታ

ክቡር ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ

ክቡር ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር. ተድሮስ ኣድሓኖም

 ንሕና፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ስደት እንውክል፣ ናብ ክብርነትኩም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዚ ኣገዳሲ ምሕጽንታ ከነቕርበልኩም ከለና ሓላፍነትና ምዃኑ ብግቡእ ብምግንዛብ እዩ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና፡ ናይ’ዚ ምሕጽንታ’ዚ ቅዳሓት ከኣ ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕበን ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ’ውን ዝምልከተን ሕቡራት ሃገራት ኣካላትን፣ ብፍላይ ድማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤልን ሊብያን ክወሃብ ምኑ ከነፍልጥ ንፈቱ። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሃለዋት ናይ’ዞም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተበቲኖም ዝተፈላለየ ወጽዓታት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቓልቦን ቆላሕታን ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

እዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (ኮሮና  ሩስ) ዝላባዕ ዘሎ ሕማም’ዚ፣ ናብ’ተን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋን ኣብ ተነካኢ ዝዀነ ክፍለ-ዓለም ዝርከባ፣ ነዚ ናይ ኮሮና ቫይሩስ ለበዳ ንምግጣም ዘይተቐረባ፣ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት ድሮ እቲ ለበዳ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ኲነታት ኮሮና ቫይሩስ ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ነውጺ ዘለዎ ቦታታት ምዃኑ ከኣ ብምስትውዓል፡ ብዙሓት ካብ ህዝብና ድማ እቲ ቀንድን መሰረታውን ባእታ ዝዀነ መከላኸሊ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ኢድ ምሕጻብ ብምዃኑ፣ ኢድ መሕጸቢ ዝዀኑ መሳለጢታት ከም ማይ ኮነ ሳምና ናይ ምርካብ ዘለዎም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፣ በዚ ተላባዒ ሕማም’ዚ ምኽንያት ክቕዘፉ ዘሎ ተኽእሎታት ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ንና ኣዝዩ የሰክፈናን የተሓሳስበና’ዩ። ብምዃኑ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣብ ግዜኡ ህጹጽ ኣትኩሮ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መታን ክረክብ ብሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተመሪሑን ተወሃሂዱን ዕቱብ ተበግሶ ክውሰድ ኣትሪርና ንምሕጸን

ብእምነትና ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማት ብዙሕ መንእሰያዊ ሓይሊ ካብ ህዝብና፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣረጋውያንን ኣብ ተኣፋፍን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንድሕሪት ገዲፎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ ካባኻትኩም ዝተኸወለ እዩ ኣይንብልን። ብካልእ ወገን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ነቶም ንድኹማት ሓገዝ ክህቡ ዝጸንሑ ግብረ-ሰናይን ሃይማኖታ ትካላትን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ትካላትን ኩሎም ኰነ ተባሂሉ ብመደብ እቲ ዘሎ መንግስቲ ኣፈራሪስዎም ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ካብ ዘቋርጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም እዮም።  

 ክቡራት ኣህጉራውያን ሰብ-መዚ!

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ኲነታት ተዳኺሙን ነብሱ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኲነታት ከም ዘየብሉን ርኡይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ፣ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ካብ 300 ንላዕሊ ዝኸውን ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ተጸፋጺፉ መሊኡ ምህላዉ ነዚ ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ’ዚ ክከላኸል ዝኽእል ዓቕምን መሳርሕን የብሉን። እቲ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ግፋን ዝእከብ ዘሎ ናይ ባርነት ስራሕ ዝሰርሕን፣ ገዚፍ ኣሃዱታት ሰራዊት እንተዀነ’ውን ኣዝዩ ጻዕቂ ኣብ ዘለዎ “መደበራት” ስለ ዝነብር ነዚ ለበዳ ሕማም’ዚ ንኽላባዕ ክፉት ዕድል ዝህብ ኲነታት እዩ ዘሎ።  

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ መዕቆቢ “መደበራትን” ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መዕቆቢታትን ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስሉጥ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ተዋሳእቲ ብተግባር ዝንቀሳቐሱ እንተዘሃልዮም፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ’ዚ ለበዳ’ዚ ክኾንሉ ዝኽእሉ ዕድላት ዓቢ እዩ። ኣብ መደበር ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እተን ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ብተገዳስነት እንተደኣ ብዝምልከቶም ኣካላትብፍላይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ሰብ-መዚ፡ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝን ምኽርን ዘይተሓዊስዎ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ኮሮና ቫይሩስ ኰይኖም ንሓደጋ ክሳጥሑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ

ብምዃኑ እምበኣር ኮቪድ-19 ናብ ኤርትራ ከይላባዕ ንምክልኻል፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርአ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ብጻዕቂ ዝቕመጥሉ ኲነታት ስለ ዘሎን፣ ሓደጋ ኮሮና ቫይሩስ ከይዝርጋሕ ንምክልኻል፣ ኣትሪርና ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሎ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ ብፍላይ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ንምሕጸን፡-  

  • ኣብ’ዘን ኤርትራውያን ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ቦታታት እኩል ናይ ክንክን ጥዕና ማእከላት እኹል ቀረባት ናይ ማይ፡ መሕጸቢ ሳምናታት፡ ጸረ-ለኽፊ ዝዀኑ ፈሰስቲ፡ “ጓንቲ”፡ መሸፈኒ ኣፍን ንጽርየት ዘገልግሉ ወረቓቕትን ከም ዝህሉ ምግባር፣
  • እቶም ቦታዊ ናይ ክንክን ጥዕና መርበባትን ትካላትን በዚ እከይን ሓደገኛ ኮሮና ቫይሩስ ዝተለኽፉን ዘይተለኽፉን መፍለጢ ዝኸውን ናይ መመርመሪ ናውትን መሳለጢታትን ከም ዝህልዎም ምርግጋጽ፣
  • ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ መደበር ስደተኛታትን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ሓደገኛ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መቕዘፍቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምድሓን ዝከኣሎም ክገብሩ፣

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

ብእምነትና ትሕዝቶ እዚ እነቕርበልኩም ዘለና ኣገዳስን ሕልኽልኽ ዝመልኦ ኲነታት ናይ’ዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጥ ሃገር ከምኡ’ውን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዘሎ ለበዳ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ትርድእዎ ኢኹም ኢልና ንኣምን።

ኣኽበርትኹም፡-

(ኣቦ-መንበራት

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓደለ)
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍት (ሓኤፍ)
  6. ሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)

ኣብዚ እዋንዚ  ኮቪን-19 ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ትካል ጥዕና ዓለም ዝለዓለ ደረጃ “ዓለም ለኻዊ ተላባዒ” ካብ ዝበሃል ንነጀው ናይ ኩልና ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ዋላኳ ኣብ ቅድሚ መላእ ዓለም ኣዛራቢ ተላባዒ ሕማም ክፍጠር እዚ ናይ መጀመርታ እንተዘይኮነ፡ ከም ኮሮና ብሓንሳብ ዓለም ዘንቀጥቀጠን ዘናወጸን ኣየጋጠመን ዝብሉ ብዙሓት እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ምጣነ-ሃብታውን ካልእ መወዳደሪ መዳያትን ገዲፍካ፡ ከም ፍጡር ሰብ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ብምዃኑ እዩ። ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ብ23 መጋቢት 2020 “ንመጀምርያ ግዜ ሓደ ሰብ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ከም ዝተታሕዘ ጸብጻብ ምስ ቀረበ፡ እቲ ቁጽሪ 100 ሺሕ ንክበጽሕ 67 መዓልታት ወሲድሉ። እቶም ቀጺሎም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ 100 ሺሕ ሰባት ኣብ 11 መዓልታት ተታዝሒዞም። ድሕሪኡ ዝተታሕዙ ካለኦት 100 ሺሕ ሰባት ከኣ ኣብ 4 መዓልታት ጥራይ እዮም ተለኺፎም።”  ዝበልዎ፡ እቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ ግዜ ዘይህብ ቅልጡፍ ተላባዒ ምዃኑ የረድእ።

ብሰንክዚ ቀዛፊ፡ ዘይተጸበናዮ፡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ተላባዒ ሕማም ብምዃኑ፡ ክንድዚ ሓሚሞም ክንድዚ ሞይቶም ኢልካ ኣሃዝ ክትጠቅስ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን። ንኣብነት ክሳብ ንግሆ 24 መጋቢት 2020 ብዝሒ በዚ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት 378,912፡ ቁጽሪ ዝመቱ 16,515 ቁጽሪ ተታሒዞምስ ዝሓወዩ ከኣ 102,069 ነይሩ። እዚ ኣሃዝዚ እዚ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ዝወጽእ ክሳብ ክንደይ ኣብ ተዓጻጻፊ ደረጃ በጺሕ ከም ዝኸውን ምግማት ኣየጽግምን። እዚ ሕማም ኣብ መዳይ ጥዕና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኹሉ ዕቤተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስረዓ፡ ኩሉ ክገብራ ከም ዝኽእላ እምነት ኣብ ዝተነብረለን ሃገራት በዓል፡ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ስፐይን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦትን ዝኸፈአ ጉድኣት ምውራዱ፡ ኣብ ልዕሊተን ንሃገርና ኤርትራ ወሲኽካ ናይዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ሃገራት ኢድ ዝጽበያ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ፡  ምምሕዳራዊ ጽፈትን ዝርጋሐ ትሕተ ቅርጻን ዝጐድለን ወይ ዘየብለን ተጽዕኖኡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን። “ናይዚ ሕማም ፈውሲ እንታይ እዩ? መዓስ እዩኸ ዝምከት?” ኢልካ ሓቲትካ፡  መልሲ ዘይትረኽበሉ ምዃኑ ከኣ፡ ዝያዳ የሻቕል። እዚ ሕማምዚ ምስተመከተ እውን፡ ስንብራቱ ብቐሊሉ ከም ዘይሓዊ ድሮ ብዙሓት ኣርሒቖም ዝጥምቱ ክኢላታት ይግምቱ ኣለዉ።

ካብ ምልክታት ናይዚ ሕማም፡ ብርቱዕ ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓል፡ ሕጽረት ትንፋስ ምዃኑ ብኽኢላታት ይንገረና ኣሎ። እዚ ምልክታት እዚ ናይ ካለኦት ምሳና ዝጸንሑ ሕማማት ምልክት እውን ስለ ዝኾነ ምልላዩ ኣጸጋሚ እዩ። መፈወሲኡ ክታበት፡ ከኒና ወይ መርፍእ ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን። ኣብ ክንድኡ፡ ጽሬት ኣእዳው ምሕላው፡ ኣብ ሕድሕድካ ምርሕሓቕ፡ ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ከተህንጥስ እንከለኻ ኣፍንጫኻ ምኽዳንን ከም ዝኾኑ እውን ብፈላጣት ናይዚ ዛዕባ ይንገረና ኣሎ። እዚ ነቶም በእዳውካ ሰላም ምብህሃልን ምስዕዓምን፡ ሓቢርካ ምብላዕን ምስታይን፡ ሓቢርካ ምጉዓዝን ሓቢርካ ምጽላይን ኣካል ባህልናን እምነትናን ዝኾነ ክሳብ ክንደይ ምልማዱ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ቁጠማዊ ዓቕምና ድኹም ምዃኑ እውን ኣብ ምትግባር እዚ መጠንቀቕታ ሓጋዚ ኣይኮነን።

እምበኣር ወያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ልዕልና፡ ቁጠባዊ ጸብለትነትን ማሕበራዊ ብልጫን ንምጭባጥ ክትወዳደር ዝጸንሐት ዓለምና፡ እነሆ ሎሚ ንብመለኣ ኣብ ዝምልከት ናይ ከም ፍጡር ምህላውን ዘይምህላውን ብደሆ የፋጥጠላ ኣሎ። ወዮ ከም ዋዛ፡ ንሓንሳብ “ግዜ 3ይ ውግእ ዓለም ከጋጥም እዩ፡” ወይ ድማ “ምጽኣት ዓለም ኣኺሉ እዩ፡” ክበሃል ዝጸንሐ “እዋእ ወዮ ዝተፈርሐስ ኮይኑ ግዲ” ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና።

እዚ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ማሕበራዊ ቀዛፍነቱ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት መራሒ ኣሜሪካ ነዚ ሕማም ኣንጻር ኩሉ ዝተኸፍተ ዓለምለኻዊ ሓያል ውግእ ክነሱ፡ ናይ ቻይና ሕማም ቫይረስ ክብሎ ምፍታኑ እዚ ዛዕባዚውን ኣካል ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ልዕልናኻ ምርግጋጽ ውድድር ይኸውን ኣሎ ዘስምዕ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን በቲ ዘይምሕር ቫይረስ ህግዲፍ ክንሳቐ ዝጸናሕናን ካብዚ ስቓይዚ ክንወጽእ እንቃለስ ዘለናን ኢና። ብሰንክቲ ህግዲፋዊ ቫይርስ ከም ሃገርን ህዝብን ህልውናና ከይጠፍእ ስግኣት ጸኒሑና። ሎሚ ከኣ እነሆ ከምቲ፡ ድምጻዊ ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ካብ ሕማቕ ናብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ተሰጋጊርና፡ ከም ህዝቢ ከይንበርስ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ ሓደጋ ኣለና። ነቲ ንጭቆና ህግዲፋዊ ቫይረስ ሓንጐፋይ ኢልና ዘይተቐቢልናዮ፡ ንኮሮና እውን “ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ገዓት” ኢልና ከይረዓምና ብዘለና ዓቕሚ ክንቃለሶ ይግበኣና።

እዚ ዘለናዮ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንሕና ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዕቤትን ዘይርጉእ ኩነታትን እንርከብ፡ ነቶም “ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ከኣልቲ ኩሉ” ክበሃሉ ዝጸንሑ ኣካላት እውን ኣዋጢሩ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ፈታኒ ኩነታት ክንገብሮ ዝግበኣና፡ እቶም ዝሓሸ ናይ ምምርማር ዓቕምን ኣፍልጦን ዘለዎም ኣካላት ዝህብዎ ምኽርን ምዕዶን ምቕባልን ምትግባርን እዩ። እቶም ብሰንኪ ገፋዒ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብ ሃገሮም ንህዝቦም ናይ ምግልጋል ዕድል ተነፊግዎም ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ክኢላታት ከካብ ዘለዉዎ ኩርናዕ ንህዝብና በብቋንቋኡ ብምስትምሃር ዜግነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ይግበኦም። ንሓ እውን ንጽወዖም። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ተለቪዥን ኣሰና ቀሪቦም ብዛዕባዚ መብርሂ ክህቡ ዝተዓዘብናዮም ኤርትራውያን ክኢላታት ተግባሮም ኣብነታዊ እዩ እሞ ንሳቶም ክቕጽልዎ፡ ካልኦት እውን ክስዕብዎ ዝግባእ እዩ። ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት እውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብቐጥታ ሓበሬታ ንምርካብ ዘይተዓደለ ህዝብና ኣብ ምክትታሉ ክሰርሓ ይግበአን። ኤርትራውያን ኩልና ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ምቑራጽ፡ እዚ ለበዳዚ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ  ዝበልዑ በሊዖም ከም ዝሓልፉ ለበዳታት፡ ከም ዝሓልፍ ተስፋ ክንሰንቕ እምበር፡ ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግበኣናን።

ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ካብ ዝስሕብ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ውዱእ መርገጽ ክሕዝ ዝተገደደሉ ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕመረቱ፡ ህግዲፍ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር፡ ቃሉ ዘየኽብርን ሕድሪ ሰማእታት ዝጠልምን ብምዃኑ እዩ።

ህግዲፍ ቃል ዝኣተወሎም እሞ ዝጠለሞም መብጸዓታት ካብ ምዝርዛር “ዋላ ሓንቲ ዘኽበሮ ቃል የለን” ኢልካ ምድምዳም ከም ዝቐልል ርዱእ እዩ። ምናልባት ሓደሓደ መዘኻኸሪ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ንኤርትራ ኣብ ቁጠባ ከም ሲንጋፖር ከዕብያ እየ ኢሉ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ተጃሂሩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ተጠሊዑ ኣዊጁ። ዘመናውን ምዕቡል ሕርሻ ከተኣታቱ እየ እንዳበለ፡ ናይ ክንደይ ሓረስቶት ስቡሕ መሬት መንዚዑ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናጻ ገንዘባዊ ዞና ከተኣታቱ እየ ኢሉ። ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከተኣታቱ እየ ኢሉ ኢሉ ከብቅዕ፡ ነቲ ሓደ ሰነድ ከባኽን፡ ንምንዳፍ ሓድሽ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ዘይትግበር ቃል ኣትዩ። በመሰረት ዓለም ለኻዊ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ወሰን ክጥርር እየ ኢሉ ከምዘይፈከረ፡ ሎሚ ቃሉ ዓጺፉን መብጸዓኡ ጠሊሙን፡ ነዚ ዛዕባዚ ንዘልዕሉ ወገናት “ዘረግቲ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እዮም” ኢሉ ይውንጅሎምን የፈራርሖምን ኣሎ። ቦንድ ግዝኡ እሞ፡ ኣብ ኤርትራ መስርሒ ኣባይቲ ዝኸውን መሬት ክትወስዱ ኢኹም ኢልዎም ከብቅዕ፡ ዝጠለሞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ንህግዲፍ ኣሚኖም ማይ ሓቚኖም ዝተረፉን ዘቑረምርሙ ዘለዉን ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ጉዳይ ግዱድ ክፍሊት 2% ከኣ ኩልና ዘይንዝንገዖ  ዘይምኽኑይ ራስያ እዩ።

ሎሚ ንኤርትራና ክንዕዘባ እንከለና፡ ክልተ ሻብ ተራእያ፡ ግዳይ ጥልመት ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መብጸዓታት ህግዲፍ ኮይና ከምዘላ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናብ ባርነት ዝማዕበለን ሓደ ካብ ጠንቅታት ስደት ዝኾነን መውዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ህያው ኣሎ፡ ቁጠባዊ ውድቀት ኤርትራ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣብ ዘጸግም፡ ኣዝዩ  ዝተሓተ ደረጃ ተነቚቱ ኣሎ፡ ፍልሰት ኤርትራዊ ሓደ ካብ ናይ ዓለምና ናይ ስግኣት ዛዕባታት እዩ፡ ከም መርኣያ ብኩራት ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-መላኺ ወዲቑ፡ ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ሳዕሪሮም ከም ዘለዉ ኢና እንርዳእ። ህግዲፍ ሕሉፍ ሓሊፉ ነዚ ጥልመታቱ ኣዝዩ ብዘራጉድ ደረጃ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ናብ ምውዳቕ ይመጣጠር ኣሎ። እዚ ሕዱር ሕልሙን ናይ ነዊሕ ግዜ ጉርሕን ሸርሕን እምበር፡ ናይ ግርህነት ከምዘይኮነ ብዙሓት ይምስክሩ ኣለዉ።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ መርዛም ናይ ጥልመት ተግባራቱ ከቃምም ነዊሕ ግዜ ወሲድሉ። እዚ ዘለናሉ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት በዳህቲ ፈተነታት ዘለዉዎ፡ ግዜዚ ንህግዲፍ ዝባኸነ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ንሱ ህዝቢ እንዳደሃኸ፡ ነቲ ግዜ ዝደልዮ እዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ነቶም ኤርትራ ልኡላዊት፡ ብልጽግቲ፡ ሰላማዊት፡ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ክትከውን እንብህግን ምእንታኡ እንቃለስ ዘለናን ግና ዝባኸነ ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ህግዲፍ ተቓሊስና ከነድመዓሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ክነሱ፡  ውጽኢት ቃልስና ትሕቲ ትጽቢትና ብምዃኑ። ሎሚ ነዚ ህግዲፍ ብሓሶትን ጥልመትን ክዕንድረሉ ዝጸንሐ ግዜ እንመሃረሉ እምበር፡ ንድሕሪት ኣይንመልሶን ኢና። ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ግዜ ከይነባኽን ግና ክንሰርሕ ይግበኣና። ህዝቢ ኤርትራ እውን ወዮ መዕንደሪ ጥልመት ህግዲፍ ኮይኑስ፡ ከምቲ “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝበሃል፡ ድሕሪ ሕጂ ብናይ ህግዲፍ ዘይትግበር መብጸዓ ክዕሸውዩ ዝብል ግምት የብልናን።

እዚ እተጠቕሰ ህግዲፍ ዓይንና እንዳረኣየ እዝንና እንዳሰመዐ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጥልመት እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ተሓቢኡ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናትን ውዲታትን እውን ኣሎ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ሓደ ወተሃደራዊ መደበር ክኸፍት፡ ነቲ ካልእ ስዉር ወተሃደራዊ መዕለሚ ክፈቅድ፡ ካብዚ ሓሊፉ ንናይ ግዳም ሓይሊ ባሕሪ መደበር ክምድምድ ትንዕምንዕ ዝብሎ ዘሎ ምስቲ ዝተጠቕሰ ናይ ጥልመት ዝርዝር ዝድመር እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ወተሃደራዊ መራክብ ግብጺ ኣብ ደሴት ዳህላክ ብፍላይ ከኣ ኖራ ኣብ እትበሃል ቦታ ክዕርዳ እየ፡ ዝብል ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክነፍስ ንሰምዕ ኣለና። ኣብዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ኣግእዞ ኢትዮጵያ ምውጣጥ ኣብ ዝተባለሓሉ፡ ናይዚ ጉዳይ ትርጉም እንታይ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ዋላኳ ነቲ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ተሪር ሽኻል ዘየብሉ ወኻዕካዕ ርእዮም “ኢሳያስ ነዝስ ኣይውዕሎን ግዲ” ዝብል ግምት እንተለዎም፡ ወይለኦም ደኣ ነቶም ንዓኡ ዝኣመኑ እምበር፡ ንኢሳያስስ ናብ ዝያዳ ዘኽስበካ ጽግዕ ምባል ዘሕንኾ ኣይኮነን።

ኩሉቲ ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክጽሕትሮ ዝጸንሐ ውግእን ህውከትን መንቀሊኡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሳዕረረ በደል እዩ። ሕጂ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ከዘውትሮ ዝጸንሐ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ካለኦት ዘይፍጽመሉ ምኽንያት የለን። ብፍላይ ከኣ ነቲ ኢሳያስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንኢራን ዝሸምጠጠ ሸምጢጡ ጠንጢንዋ፡ ኣብ ቅድሚ መንግስታት ስዑድዓረብን ኤምረትን ጭርኡ ክዘርግ ንዝተዓዘበ ኣካል እዚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ከባቢ ኖራ ምስውስው ምባል ክሕደሶ ኣይክእልን እዩ። ኮታ ጠመተ ኣዒንቲ ኢሳያስ ኩሉ ግዜ ናብ ርትዕን ፍትሕን ዘይኮና ናብ ጁባኻ እንዳመልኡን መዳልያ እንዳሃቡን ዕድመ ስልጣን  ዘናውሑልካ ኣካላት እዩ። ድሕሪ እዚ ከኣ ከምቲ “ዝበለዐት ከብዲ” ወይ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ቆላሕታኡ ንፋስ ናይቶም መዳልያን ዶላርን ዝህብዎ ነገስታት ምኽታል እዩ። ስለዚ ትማሊ ዝሸምጠጠ ሸምጢጡ ንኢራንን ንካለኦትን ሕቖኡ ዝሃበ ሰብኣይ፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ እንተደገሞ፡ ነቶም ዘይፈልጥዎ እንድዒ፡ ንዓና ግና ኣይክሕደሰናን እዩ። እቲ ጥልመቱ ኣብቲ መበቆሉ ኤርትራ እንተዘይተማሕዩ ከኣ ግዜን ኩነታትን እንዳመረጸ ናብ ደገ ምግንፋሉ ዘይተርፍ እዩ። እቶም ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራኳ ከምዘይኮኖ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን፡ “ሰብ ረኺብና” ኢሎም መኻይዲ ክኾኖም ዝሓርይዎ ከኣ የወኣዮም።

እምበር እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ምርዳእኳ ባዕሉ ይረዶ እንድዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ህግዲፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን ኩሉ ሓደ” ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ንምዝኽኻሩ’ዩ።

ኣብዚ  ኣዝዩ  ተኣፋፍን  ጽንኩርን  እዋን፡  ውልቀ መላኺ  ኢሰያስ  ኣፈጨርቂ  ንሕዝቢ  ኤርትራ  ከጽንትን  ልዑላዊት  ኤርትራ  ክድውንን  ኣብ ዝጓየየሉ  ዘሎ  መድረኽ፡  በቲ  ሓደ  ከኣ  በዲዶ  ኤፒደሚ  ኮረና  ቫይረስ  ተላቢዑ  ንዓለም  ኣብ ዓቢ  ስግኣት ብምእታው  ህይወት  ኣሸሓት  ደቂ  ሰባት  ኣጥፊኡ  ቅልውላው  ኤኮኖሚ  ዘስዓበሉ  ህሞት፡  ኣብ  ባደን  ቩርተምበርግ  ዝነብሩ  ኤርትራውያን  ደለይቲ  ፍትሒ  ኣባላት  ይኣክል ከካብ  ከተማኦም  ዝተወከሉ  ክልተ  ኣባላት  ሽማግለ ቀዳም  መዓልቲ  ዕለት  14.03.2020  ኣብ ከተማ  ስቱትጋርት  Koblenz Str. 13,  70376  Stuttgart/Bad-Canstatt   ንነዊሕ  ሰዓታት  ዝወሰደ ጉባኤ  ብምክያድ  ካብ  ውሽጦም  ዓሰርተው  ሓደ  ዝኣባላታ  ባይቶ  መስሪቶም።ነቶም  ብዝተፈላለየ  ምኽንያት  ወከልቶም    ክልእኹ  ዘይከኣሉን  ከምኡ`ውን  ነቶም  ገና  ሽማግለ  ይኣክል ዘየቖሙን   ከተማታት ባደን-ቩርተምበርግ  ንመሰል  ኣባልነት  ባይቶ  ቦታ  ተሓዚኡሎም  ከምዘሎ  ተፈሊጡ  ኣሎ። ጉባኤ  ብሽማግለ  ስቱትጋርትን  ከባቢኣን  ብዝኽሪ  ስውኣት  ተኸፊቱ ናይ  እንቋዕ  ደሓን  መጻእኩም  መግለጺ  ተዋሂቡ። ቀጺሉ  ብኣባላት ኣወሃሃዲት  ሽምግለ  ናይ  ባደን-ቩርተምበርግ ንዘካየድዎ  ንጥፈታትን  ጸብጻብን  ገሊጾም። ኣስዒቡ  ከኣ  ኣማራጺት  ሽማግለ  ተመሪጻ  ስራሓ  ጀመረት።    

       ኣብቲ  ዝተኻየደ  ቅዱስን  ሠናይን  ጉባኤ  11  ብዴሞክራስያዊ  ኣገባብ  ዝተመርጹ  ኣባላት  ይኣክል፡  መምህር  ሙሉብርሃን  ተስፋኣለም  ብዝለዓለ  ድምጺ  ብልጫ  ኣቦ  መንበር  ክምረጽ  ከሎ  ወ/ሮ  ኢየሩሳሌም  ተስፉ  ከኣ  ምክትል  ኣቦ  መንበር  ኮይና  ተመሪጻ። ዋና  ፀሓፊ  ኣቶ  መርሃዊ  ተስፉ  ክኸውን  ከሎ  ናይ  ዜናን  ሓበሬታን  ፀጥታን  ከኣ ኣቶ  ተስፋይ  ገ/እግዚኣብሔርን  ኣቶ  ዳንኤል  ተስፋይን  ኮይኖም  ተመሪጾም። መምህር  ፍጹም  ተስፋማርያም  ናይ  ፋይናንስ  ተሓዝ  ገንዘብ  ኮይኑ  ተመሪጹ። ብተወስኺ  ክልተ  ኦዲተርስ/ተቆጻጸርቲ  ኣቶ  ኪዳን  ኃይለን  ኣቶ  ዓንዶም  በሪሁን  ክምረጹ  ከለው  ተጠባበቕቲ  ኣባላት  ባይቶ ከኣ  ኣቶ ዮውሃንስ  ሲራክን   ኣቶ  ሳሙኤል  ቀሺ  ወልዳይን  ኣቶ  ገብረየሱስ  መስፍንን  ኢዮም። እቲ  ኣዝዩ ዘሐጒስን  ዓቢ  ብስራትን  ንኣብ  መላእ  ዓለም  እንርከብ  ኤርትራውያን ደለይቲ  ፍትሒ፡  እዞም  ቆጽሊ  ኣንቢርና  ወከልትና  ክኾኑ  መሪጽናዮም  ዘለና  ውልቀ ሰባት ኩሎም  መንእሰያት  ሰብ  ተስፋን  ሓቦን ብምዃኖም  መጻኢ  ጒዕዞ  ቃልስና  ክሳብ  ሽቶ  ዕላማና  ዝወቅዕ  ብሩህን  ቀጻልን ከም  ዝኾነ  ዘተኣማምን ኢዩ። መንእሰይ  ተላዒሉ  የማን  ፀጋም  ከይበለ  ኣብ  ሓጺር  ጊዜ  ኣደራዕ  ህዝቡን  ድሕነት  ሃገሩን  ከድሕን  ምዃኑ  ዘጠራጥር  ኣይኮነን።

      በዚ  ኣጋጣሚ  ከነተሓሳስቦ  እንደሊ  ካብ  ኣዛውንትን  ሽማግለታትን  ጀሚሩ  ተባዕታይ  ኮነ  ኣንስታይ  ፆታ  ክሳዕ  መንእሰያትን  ቆልዑን  ኃይማኖት  ኮነ  ዓሌት  ኣውራጃ  ብዘየገድስ  ነፍሲ  ወከፍ  ኤርትራዊ  ጽኑዕ  ሓድነት  ፈጢሩ  ሃገርናን  ሕዝብናን  ከነድሕን  እጃምና  ከነበርክት  ሎሚ  ጽባሕ  ዘይበሃሎ  እዋን  ምኻኑ  ኢዩ። ስለዚ  ከኣ  ኣውራጃ  ባደን-ቩርተምበርግ  ኣባላት  ባይቶ  ኣቑማ  ናብቲ  ኣብ  ውሽጢ  ሓጺር  እዋን   ባይቶ  መላእ  ጀርመን  ደለይቲ  ፍትሒ  ኤርትራውያን  ዝቐውም  ክትጽንበር  ተዳልያ  ከምዘላ  ንሕብር።

ኣሰናዳኢ፡-

ኣንገሦም  ገ/ዮውሓንስ

ኣባል  ደለይቲ  ፍትሒ ስቱትጋርትን  ከባቢኣን

ወኪል  ኣሰና  ስቱትጋርትን  ከባቢኣን                                          

ቅድሚ 10 መዓልታ ኣቢሉ ኣጽቂጦም ዝጸንሑ ላዕለዎት መራሕቲ ህግዲፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተወከልቲ ስማዊ ህዝባዊ ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ፡ ናይ ኣኼባታት ወፈራ ከካይዱ ተዓዚብና። ካብተን እዚ ናይ ኣኼባ ወፈራ ዘካየዱለን ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ከረን፡ መንደፈራ፡ ኣቑርደት፥ ባጽዕን ባረንቱን ይርከበአን። ነዚ ኣኼባታት ዝመርሑ ዝነበሩ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ሓጐስ ገብረህይወት፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ወልደሚካኤል ኣብረሃን እዮም። ኣብቲ ነዚ ኣኼባታ ብማዕከናት ዜናኦም ኣቢሎም ዘቃልሕዎ፡ ኣጀንዳ  ወፈራኦም ዝኣረገ ክነሱ፡ ኣሕዲሶም ከቕርብዎ ፈቲኖም እዮም።

ነዚ ናይ “ጠፋእና” ኣኼባታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ህዝብና ከም ዘካይደዎ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ዘለናሉ ኩነታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ፍርሑ ቀንጢጡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ዓው ኢሉ ክዛረብ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ዕድመ ህግዲፍ ነዊሕ ከምዘይኮነ ተስፋን እምነትን  ዘሕደረሉ፡ ቃልሱ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምስቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራውያን ምትእስሳሩ ኣድላይ ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉን ነዚ ንክጥዕሞ ነቲ ካብ ደገ ዝፍኖ ንኤርትራ ዝምልከት ማሕበራዊ ሚድያታት ጥቡቕ ምትእስሳር ኣብ ዝፈጠረሉ ግዜ ዝተኻየደ ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ እዩ። በቲ ካልእ ወገን  ሕርቃን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ብ7ን 9ን ለካቲት 2020 ዘካየዶ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ዘይሓላፍነታዊ ቃለ-መጠይቓት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዩ እዚ ናይ ኣኼባ ወፈራ ተኻይዱ።

ኣብ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ከኣ ኤርትራውያን፡ በብኹርናዑ ሓያል ምልዕዓል ፈጢሮም ናይ ለውጢ ሓይሎም ዝጥርንፍሉ ውድባታቶም ድልዱል ትካላዊ መልክዕ ንምትሓዝን ንምሕያልን ቀጻሊ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ኣብ ዘካይድሉ ህሞት እዩ እዚ ኣኼባታት ተኻይዱ። በብኩርናዑ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስን ምብርባርን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ምስቲ “ካብ ይኣል ናብ ይከኣል” ዝብል ጭረሖኡ፡ ሓደ ካብቲ ንህግዲፍ ዘሰንብዶ ዘሎ እዩ። እቲ ኣብ ዘገምታዊ ናይ ምቅርራብ መስርሕ ክሕቆን ጸኒሑ፡ ኣብ ዝጻዕየሉ ደርጃ በጺሑ ዘሎ፡ ናይ ኤርትራዊ ተቓወምቲ  ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ብሓባር ኣንጻር ህግዲፍ ናይ ምቅላስ ቅርቡነት እውን ካልእ ንጉጅለ ህግዲፍ ስግኣትን ስንባደን ዝፈጠረሉ ዘሎ እዩ።

እቲ ቀንዲ ንህግዲፍ ናይ ኣኼባ ወፈራ ንምክያድ ዘገደዶ እምበኣር፡ ነቲ ካብ ቀደሙ እውን ክፉእ ዝነበረ ምስሊ ህግዲፍ መሊሱ ብሰንኪቲ ዘይሓላፍነታውን ዘይውርዙይን ናቱ ኣቐሚጡ ኣብ ዘይጉዳዩ ዝዳኽርን ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዕራይ እዩ። ኩልና ከም ዝተኸታተልናዮ ናይዚ ዲክታተር ቃለ-መጠይቕ ክልተ ነናቶም ዝርዝር ዘለዎም ዓበይቲ ጸይቅታት እዩ ፈጺሙ። እቲ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸም ዘሎ ግፍዕን  ጸገምን ዒቕ ኢልዎስ መፍጥሒ ክረክብ ሃንቀው እንዳበል፡ ንሱ ግና ነቲ ጸገም ዘርዚሩ፡ ማዕረቲ ህዝቢ ፍታሕ ተጸባይ ኮይኑ ተሰሪዑ። ኣብ ህዝቢ ከኣ “ንሕና ደኣ መፍትሒ ዘምጸኣልና እምበር፡ ነቲ ኣብ ገገዛና ዘሎ ጸገም ኣመላኺዑ ዘቕርበልና ዲና ስኢና” ዝብል ሕቶ ኣልዒሉን ተቖጢዑን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዚ ዲክታቶር፡ ዲፕሎማስያዊ ኮነ ፖለቲካዊ ውሕልነት ብዘየብሉ፡ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና እንዕዘብ ዘይኮነስ፡ ኢድና ሓዊስና ከነዕርዮ ኢና” ኢሉ ነቲ ምስኡ ዘሎ ጸገም ዘየወገደ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ጸገም ክጽወዓሉ ሰሚዕናዮ። ያኢ ኢሳያስስ መዕረዪ ኮይኑስ ዶብ ሰጊሩ ዋናታቱ ዘለዉዎ ጉዳይ ከዕሪ ። እዚ ኣበሃህላኡ ካብ ኢትዮጵያውያን ንብዙሓት ኣቖጢዑ። ብኣበሃህላኡ ዝተቖጥዑ “ኣብ ዘይምከተካ ኢድካ እንተኣእቲኻስ ኢድካ ትቑረጽ” ክብልዎ ሰሚዕና። እቲ ምስኡ ዝምድና ዘለዎ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን፡ ኣብ መንጐ ናይ ኢስያስ ናይ ጽላለ ኣካይዳን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ተቐርቂሩ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ምሁራት ብናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጠብሎቕሎቕ ከም ዝተቑጥዑ፡ ነቲ 48 ዶክተራት ደቂ ኦሮሞ ናብ ኢሳይስ ዝጸሕፍዎ ናይ “ኢድካ ኣክበልና” ቅሉዕ ደብዳበን ምስሕጽንታን ምዕዛብ ይከኣል። ንኢድ ኣእታውነት ኢሳይስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ማዕረቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ህልዊ ኩነታት ጉዳይ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘመሳስልዎ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም።

እቶም ኣዕሪኻ ንዘይዕረ ምስሊ ኢሳያስ ከዕርዩ፡ ናብ ኣኼባታት ዝወፈሩ መራሕቲ ህግዲፍ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ዘምጽእዎ  ሓሳባት ሓድሽ ዘይኮነ፡ “መንግስትና ጸገማት ዝጽብጽብ ጥራይ ዘይኮነስ ፍታሕ ከምጽእ ተቐሪቡ ዘሎ እዩ” ዝብል መናውሒ ዕድመ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዮም ፈቲኖም። ኣብ ሕርሻ፥ ኣብ ህንጻ፥ ኣብ ንግድን  ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ተኣምር ከም ዝሰርሑ ዘርዚሮም። ነቲ  ምስሊ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣዝዩ ደዊኑ፡ ካብ ስደት ናብ ፍልሰት ማዕቢሉ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝዓግት መደብ ከም ዘለዎም እውን ገሊጾም። እዚ ግና ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ባህሪ ጉጅለ ህግዲፍን ንዝፈልጥ ሓሶት ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብዚ ኣኼባታት ህዝቢ ተንሲኡ ክዛረብ እምበር፡ እንታይ ከም ዝተዛረበ ዝስማዕ ኣይነበረን። ከም ርዱእ ሎምስ ፍርሑ ቀንጢጡ ስለ ዝኾነ እቲ ህዝቢ ብውሕዱ “ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና” ከም ዝብሎም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጐኒንጐኒ እዚ ኣኼባታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ንዝፈተንዎ ናይ “ንኽተት ተመዝገቡ” ወስታታት “ብናይ ቅድሚ ሕጂ መስዋእቲ ደቅና ኣይከሰርናን ምባልኩም መዓንጣ ከብድና እንዳሓረርናስ ሎሚኸን ንምንታይን ናበይን ኢና ነኽትት” ዝብል መልሲ ይወሃቦም ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ከኣ ሓደ ካብ መርኣያታት ናይቲ ህዝቢ ፍርሒ ምቕንጣጡ እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ብህግዲፍ ኣይክዕሾን እዩ። ዘለኣለም ክዕሾ ክነብር ንቡር ኣይኮነ። መራሕቲ ህድግዲፍ ድሕሪ ሕጂ ብኸምዚ ከካይድዎ ዝቐነዩ ባዶ ወፈራ ንህዝቢ ከዕሽዉ እንተወፊሮም፡ እቶም ዝዕሸዉ ንሳቶም ምዃኖም ክርድኡ ይግበኦም። እንተ ምስሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘይዕረ ኮይኑ ስለ ዝተበላሸወ “ዘይዕረ ከዕርዩ” እንተዘይደኽሙ መሓሾም።  

ግዜ፡ ኣይጽበየናን እዩ

Tuesday, 10 March 2020 08:44 Written by

“ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ወይ “ግዜ ወርቂ እዩ” ዝብሉ ኣበሃህላታት ኣብ ባይታ ዘይወድቁ ዓብይ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ እዮም። ሎሚ ብሓፈሻ ከም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ከም ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ቅድሜና ዘይስገሩ ዕድላትን ብደሆታትን ኣለዉና። እቲ ዕድል ህግዲፍ ብሰንኪ ዘይርጉእ ኣካይዳኡን ጸይቂ ተግባራቱን ዝፈጥሮ ዘሎ ንውድቀቱ ዘቀላጥፍ ተመዝማዚ ኣቕጣጫ እዩ። እቲ ብደሆ ከኣ ነዚ ጥጡሕ ኩነታት ንረብሓ ህዝቢ ከም ዝውዕል ቃኒኻ ተቓሊስካ ዘተኣማምን መሰረታዊ ለውጢ ከተመዝግብ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ነቲ ብደሆ በዲህና፡ ነቲ ጽቡቕ ዕድል ኣደልዲልና፡ ናብቲ እንደልዮ ክንበጽሕ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ቅድመ-ተደላይነታት እቲ ቀንዲ እምነ-ኩርናዕ፡ ንፍልልያትካ ወጊንካ፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል፡ ስሙን ቅርጹን ብዘየገድስ፡ መጻኢ ዝጥምት ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክትፈጥር ምብቃዕ እዩ። እዚ ዓማምዚ ብኹሉ መዕቀኒ ክንሰግሮ ዘይንኽእል እዋናዊ ጠለብ እዩ። እዚ ሓቢርካ ምቅላስ ዘይስገር ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዋላ ሓደ ካብ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታትን ካልእ ናይ ውዳበ መልክዕን በይንና ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኤርትራዊ ኩነታት ክንቅይሮ ስለ ዘይንኽእል እዩ። ብሓባር ምቅላስ ዓቕሚ ዝፈጥር ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ናይ መላእ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰይና ናይ ተሳትፎ ሸውሓት ዘበርኽ እዩ።

ነዚ ዘይስገር ኣድላይነት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክለሰ-ሓሳብ ደረጃ ኩልና ከም እንሰማመዓሉ፡ በብግዜኡ ዝወጹ ኣዋጃትናን መግለጽታትና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እነስመዖም መድረታትን ምስ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኣብ እንገብሮም ርክባትን ጐሊሑ ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ። እቲ ዘይተመለሰ ጽውጽዋይ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር፡ ብኽንድቲ እነንጸባርቖ ክለሳ-ሓሳባዊ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ቅሩብነት፡ ብግብሪ እሞ ድማ ዘይምኽኑይ ግዜ ከይበላዕና ከነተግብሮ ዘይምብቃዕና እዩ። እዚ እዩ ከኣ “ኣካይዳኹም ናብ ሓቢርካ ምስራሕ ነቲ ንርከበሉ ዘለና ኤርትራዊ ህጹጽነት ዝምጥን ቅልጣፈ ዘለዎ ኣይኮነን” ዝብል ናይ ህዝቢ ሻቕሎት ዘሕድር ዘሎ።

ናይዚ ብኽለሰ-ሓሳብ እንዳተሰማማዕካ ቀልጢፍካ ዘይምትግባር ቀንዲ ጠንቂ፡ እንታይ ምዃኑ ዘሻቕሎም ኤርትራዊ ደለይቲ ጽቡቕ ወገናት፡ ነናቶም “ምኽንያት እዩ፡” ኢሎም ዝኣምንሉ ሓሳባት ከቕርቡ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ምናልባት እቲ ብኽለሳ-ሓሳብ ዝበሃል፡ ኣብ ገሊኡ ኣካላት ንከባቢኻ ንምምሳል እምበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። እቲ ኣድላይነት ብሓባር ምቅላስ፡ መተካእታ ዘየብሉን እዋናውን ክነሱ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ቅርሕንቲ ክወጹ ዘይከኣሉ ወገናት የደናጉይዎ ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ ዝብሉ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ካብዚ ብዝተፈልየ እቲ ምድንጓይ ውጽኢት ናይቲ ብሓባር ኣንጻሩ  ክንቃለስ እንተ በቒዕና፡ ዕድሜኡ ምሕጻር ማለት ምዃኑ ዝርዳእ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ዝፈጥሮ ዘሎ ስዉር ምትፍናን ከይከውን ዝሰግኡ ወገናት እውን ኣይተሳእኑን። እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ንምርዳእ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ርዱእ ኮይኑ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ምናልባታትን ስግኣታትን ሸለል ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

ኤርትራዊ ጉዳይና ሎሚ እውን ካብ ጠመተ ናይ ግዳም ሓይልታት ወጻኢ ኣይኮነን። ገሊኦም ንተፈጥሮኣዊ ጸጋ ሃገርና የማዕድዉ። ገሊኦም ድማ ምቹእ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ክርእዩ እንከለዉ የንባህቑ። ከምቲ ብፍላይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣደራሻት ኤርትራ፡ ኣደባባያት ኢትዮጵያን ኣብያተ-መንግስቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትና ሓድሽ ናይ ምጥላዕ ድራማታት ብጋህዲ ክረአ ምስ ጀመረ፡ ከምቲ “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ እቲ ናይ ግዳም ሓይልታት ህርፋን ኣብ ኤርትራ መመሊሱ ይበራበር ከምዘሎ እንዕዘቦ ዘለና  እዩ። ናይ በዓል መንግስቲ ኤማራት መንቀሊኡን መዕረፊኡን ብዘይፍለጥ ስዉር ስምምዕ ኣብ ማእከል ሃገርና ወተሃደራዊ መደበራት ምኽፋት በዚ መንጽር ዝርአ ሓደጋ እዩ። ናይ ከም በዓል ታምራት ነገራን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን  ዘረባታትን ናይ ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት “ኢትዮጵያ ከየት ወዴት” ዘርእስታ መጽሓፍን፡ ዝኣመሰሉ ደግሲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአዩ ኣይኮኑን።

እንተ ጉጅለ ህግዲፍ ነብሱ ስለ ዘይኣደበ፡ ካብ ምጽቃጥ ሓሊፉ ነቶም ንኤርትራ ክርእዩ እንከለዉ ዘንባህቑ ዓገብ ዝብለሉ ሞራል ክህልዎ እንጽበዮ ኣይኮነን። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዘይመልእ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ጥምቀት ኣከባብራ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘርኢ ካርታ ብደረጃ ካርኒቫል ክቐርብ እንከሎ፡ ብኣካል ዝተዓዘበ እንበሳድር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ድምጹ ኣየስመዐን። በዚ ዝተተባብዑ ወገናት፡ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ቴድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ብ22 ለካቲት 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካይዶ ሙዚቃዊ ኮንሰርት ከሰናድኡ እንከለዉ፡ ኤርትራ ከምቲ ናይ ጐንደር ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ ካርታ ብባዴራ ኢትዮጵያ ኣመላኺዖም ከቕርቡ እንከለዉ ጉጅለ ህግዲፍ ምዩቕ ኣይበለን። እኳ ደኣ ኣካላቱ  ኣብኡ ክጭድሩ ሓዲሮም።

እዚ መልከዓቱ እንዳቐያየረ ዝመጽእ ዘሎ፡ ህግዲፍ ዝመረቖ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተርእዮ ክዕጸፍ ዘለዎ እዩ። እዚ ከኣ ናትና ናይቶም “እምቢ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን፡ ዋጋ ስዉኣትና እምበር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝወርድ ንብረት ህግዲፍ ኣይኮነን” ኢልና ንቃለስ ዘለና ሓላፍነት እምበር፡ ወዮ ባዕላቶም መንገዲ ጥፍኣት እንዳመርሑ ህግደፍ ወይ ደቀመዛምርቱ ክዓሙልና እንጽበየሉ ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ ከምቲ “ቆርበት ብርሕሱ፡ ቆልዓ ብንእሱ” ዝበሃል፡ ብዓንተቦ ሓይልና ኣወሃሂድና እንቃለሶ እምበር ኣራጢጥና ዘይተደላይ ግዜ ነባኽነሉ ኣይኮነን። ግዜ ከኣ ብግቡእ መልክዕ ተታሒዙ ኣብቲ ምቹእ ኩነታት እንተዘይተጠቒምናሉ ዘይቅየር ዋሕዙ ሓልዩ ሓላፋይ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ምቹኣት ብሓባር ተቓሊስካ ናይ ምዕዋት ዕድላት ኣባኺንና ኢና። ናይቲ ምብኻን ሳዕቤን ከኣ ኣብ እንግደዓ ኩላትና ዘሎ ጥዕሳን ስንብራት እዩ። ሕጂ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድል ከኣ፡ ነቲ ዝባኸነ ግዜ ምላስ ዘይኮነ፡ እቲ ዘጣዕስ ተመኩሮ ንኸይድገም፡ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ግዜ ክንጥቀም ክንበቅዕ ጥራይ እዩ።