'ምሩኻት ኲናት' ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ጂቡቲን Image copyright Elsa Chyrum

ኣብ ጂቡቲ፡ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ 'ምሩኻት' ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ናብ ካናዳ ኣትዮም።

እቶም 19 ኤርትራውያን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ከም ምሩኻት ኲናት ን8 ዓመታት ብመንግስቲ ጂቡቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ'ዮም።

ኤርትራን ጂቡቲን ብጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ኣብ 2008 ናብ ኲናት ኣትየን ምንባረን ይዝከር።

ኣብቲ ዓመት ዝተኻደ ውግእ፡ ጂቡቲ ነቶም 19 ከም ዝማረኸትን፡ ኤርትራ ዝማረኸቶም ወታሃደራት ጂቡቲ ከም የዘለዉ'ውን ክትገልጽ ከምዝጸንሓት ተሓላቒት ሰባዊ መሰላት፡ ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እንተኾነ ግን፡ ኤርትራ፡ ዝተማረኻን ዝማረኸቶን ወታሃደር ከም ዘየለን ክትገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ቐጠር [ኳታር] ኣብ 2016፡ ኣርባዕተ ወታሃደራት ጂቡቲ ፈቲሓ።

መንግስቲ ጂቡቲ ብወገኑ፡ ነቶም ከም ምሩኻት ሒዝዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን፡ ሃገሮም ስለዘይኣመነትሎም ኣብታ ሃገር ከም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም ክጸንሑ ፈቲሕዎም።

"ማሕበርና ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ጂቡቲ፡ ንዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር፡ ካብ 2013 ጀሚርና፡ መንግስቲ ጂቡቲ ይቐረ ኢሉ ክፈትሖምን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱን ክንጉስጉስን ክንላቦን ጸኒሕና ኢና። መወዳእትኡ ግን፡ መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ 2016 ይቕረ ኢሉሎም፡ ካብኡ ድማ ዝወስድኦም ሃገራት ክድለየሎም ክሳብ ሕጂ ጸኒሖም፡ ኣብ መወዳእታ ካናዳ ተቐቢላቶም" ትብል ዳይረክትር ናይቲ ማሕበር ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም።

ኤርትራ ኣፍልጦ ስለዘይሃበቶም፡ ''ሃገር-ኣልቦ'' ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ወይዘሮ ኣልሳ ሓቢራ።

ኣብ ጂቡቲ ከም ምሩኻት ኲናት ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ጋዳን ዝተባህለ ጹኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ምንባሮምን፡ ንፈለማ ግዜ ብኣካል ክትረኽቦም ዝኸኣለት ኤርትራዊት ምንባራ'ውን ኤልሳ ገሊጻ።

ኤልሳ ጭሩም (የማን) ኣብ መጋባእያ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ውሕሃ 2019 Image copyright UN Web TV ናይ ምስሊ መግለጺ ኤልሳ ጭሩም (የማን) ካብ ማእሰርቲ ዝወጽእሉ መንገድታ ንምንዳይ ክትጽዕር ዝጸንሐት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት'ያ

ኣተሓሕዘኦም ሕማቕ ብምንባሩ'ውን፡ ገለ ካብኦም ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘጋጠሞምን፡ ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ሬድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎን ጠቒሳ።

ብሰንኪ እቲ ዶባዊ ኲናት፡ ጂቡቲን ኤርትራን ዲፕሎማስያዊ ዝመድንአን በቲኸን'የን ጸኒሐን። ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዘ ንፈለማ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ጂቡቲ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ዛጊት ዲፕሎማስያዊ ይኹን ካልእ ርክባተን ናብ ንቡር ኣይተመልሰን ዘሎ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና፡ ሃይማኖታዊ ምስዳድ ይኹን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሃዲሞም ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም'ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ናይቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጎንጺ ዘምረሐ ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ስደት መንእሰያትን፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ኮነ ኢልካ ዝተወጠነን ዝተወደበን "ውዲት" ክብል የማርር።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49531784

ኣብ መንጎ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ምምሕዳር ህግዲፍን ዘሎ ፍልልይን ሓድነትን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ጨቋንን ነቲ ጭቆና ኣወጉዱ ራህዋ ከረጋግጽ ዝቃለስ ወገንን ዘሎ ተጻራሪ ዝምድና እዩ ኢልካ ምስፋሩ ዝከኣል እዩ። እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን መሰረታዊ ከምዘይኮነ እንሰማማዓሉ ናይ ኣተሓሳስባታት ፍልልይ ኣለና። ብዙሓት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ናይ ምዃና ምስጢር ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ብዙሕነት እዩ።

ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኤርትራውነትና፡ ንሉኣላውነት ሃገርናን ህዝብናን ዘለና ክብርን ምእዙዝነትን፥ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘለና ኣቀባብላ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓትን ናይ ጭቆና መሓውሩን ክውገድ፡ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ፍልልይ የብልናን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ኣብቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትክኡ እንጐዓዘሉ ጐደና ንፈላለየሎም ጉዳያት ኣለዉ። ብእምነት  ኩልና፡ ብሓፈሽኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓት ዝዓሰላ ክትከውን ኣብ ዝብል’ኳ ናይ ሓባር ተረድኦ እንተሃለወና፡ ናይዚ ድሕሪ ህግዲፍ ንብህጎ ስርዓት ዝርዝር ትሕዝቶ ብሓባር ከይንቃለስ ዝዕንቅፉ ንኡሳን ፍልልያት ኣለዉና። እዞም ንኡሳን ፍልልያት፡ ኣከኣኢሉ ብሓባር ክወፍር ልባዊ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ንዘለዎ ኣጸገምቲ ኣይኮኑን። ብውሽጡ ብሓባር ንምቅላስ ዘይተቐረበ ወገን ግና፡ ነቶም ንኡሳን ፍልልያት ኣዕብዩ መፈላለይቲ ክገብሮም ይኽእል እዩ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል።

እቲ ካብ ዝብሰር 58 ዓመት ዝገበረ ዝተናወሐ ቃልስና ምእንቲ ሉኣላዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምዕራፍት እዩ ሓሊፉ። ካብቲ ምዕራፍት ዝተተግበረ ኣሎ። ንመጻኢ እንትግብሮ’ውን ኣብ ቅድሜና ኣሎ። መጻኢ ቃልስና ብውሕዱ ህግደፍ ናይ ምውጋድን፡ ኣብ ዑናታቱ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምህናጽን ምዕራፋት ዝሓቁፍ’ዩ ክንብሎ ንኽእል። ንተመሳሳልነትን ፍልልይን ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዙሕ ፍልልይ ኣይረኣይን። ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ ግና ብሓባር ምቅላስ’ኳ ዘይከልኡ እንተኾኑ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ፍልልይ ይንጸባረቑ እዮም። እዚ ክልቲኡ ምዕራፋት ኣብ ሓድሕዱ ኣዝዩ ዝጸላለው እምበር ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ እንተዘየዕዊትና ነጢርና ካለኣይ ምዕራፍ ከነዕውት ኣይንኽእልን። ኮታ ምዕዋት እቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ” ዝማእከሉ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ንምዕዋት እቲ ምህናጽ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝማእከሉ ካለኣይም ምዕራፍ ቅድመ-ኩነት እዩ። ብንጹር ኣገላልጻ ህግዲፍ ኣብ ዘይተወገደላ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ልዕልና ህዝብን ዘውሕስ ስርዓት ምትካል ስለ ዘይከኣል።

እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትና ንርእዮ ዘለና ምምስሳልን ምፍልላይን፡ ኣባና ዝተጀመረ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ብብዙሕነት ዝወቀባ ሃገራት ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ኣብቲ ዘመሳስለካ ኣትኪልካ፡ ነቲ ፍልልይታካ ከኣ ኣከኣኢልካ ምዕዋት ዝከኣል ምዃኑ እውን ኣብ ብዙሓት ተመኩሮታት ተመስኪሩ እዩ። ስለዚ ንመስርሕ ፍልልያዊ ሓድነት ንሕና እንተዘይክኣልናዮ፡ ስለ ዘይከኣል ዘይኮነ፡ ናይ ምክእኣል ዓቕምና ስለ ዘይበቐዖ እዩ ክኸውን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ኣብዚ መዳይዚ ዘሕብን ኣይኮነን። ዘሕብን ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ መዳይዚ ዘመዝገብናዮ፡ ናይ ግዜ፡ ንዋትን ህይወትን ዋጋ  ቀሊል ኣይነበረን። ሕጂ ነዚ ዝሓለፈ ክሳራ ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኣኽሳሪ ተመኩሮ  ከምዘይድገም ምግባሩ ግና ዝከኣልን ኣብ ዝባና  ዘሎ ሓላፍነትን እዩ።

ኣብዚ መዳይዚ ምእንቲ ከነድምዕ ክንዝንገዖም ዘይግበኣና ሓያሎ መሰረታዊ ጉዳያት ኣለዉ። ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እዚ ብዙሕነት ዝወልዶ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዝህሉ ከሎ ጌና ምርዳእ የድልየና። ነዚ ፍልልያት ክንፈርሖ ወይ ካብኡ ክንሃድ ዘይኮነ፡ ከም ጸጋ ወሲድና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ ከምዘየብልና ክንእመን ናይ ግድን እዩ። ንዝሓለፈ ተመኩሮና ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣሉታዊ ክንመሃረሉ እምበር ክንደግሞ ከም ዘይግበኣና ናተይ ኢልና ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ። ማለት ነቲ “ንታሪኽን ሕሉፍን ኣይንረሰዓዮ፡ እንተኾነ ናቱ እሱራት ክንከውን ኣይግበናን” ዝብል ብግብሪ ክንስቆረና ይግባእ። ኣብ ሎሚ እንዳነበርና፡ ንጽባሕ ረሲዕና ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ትማሊ ጥራይ ክንሓስብ እንተኾይና ግና ከምቲ “ዝገበረኒ ክገብር ዓዲ ነየጋብር” ዝበሃል፡ ግዳይ ሕነ ምፍድዳይን መፍቶ ህግዲፍን ክንከውን ኢና። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከም ሰልፍታትን ውድባትን ነናትና “ዕላማና” ኢልና እንቃለሰሉ ኣተሓሳስባ’ኳ እንተሃለወና ንናይ ካለኦት ሓሳብ እውን ቦታ ክንህብ ይግበኣና። ሓሳብና ክንህብ ጥራይ ዘይኮነ ክንቅበል’ውን ሓላፍነትና እዩ። ናይ ካለኦት እንተዘይሰሚዕና ናትና ሓሳብ ክስማዕ ውሕስነት የብሉን። “እታ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ከኣ ድርቅናን ዘይኣካብን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስርዓተ-ዲሞክራሲ ንዘቑሙ መሰረታውያን ኣዕኑድ ምእዙዛት ምዃን ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ከምቲ ኩልና ዘይንስሕቶ፡ ናትና ናይቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ተሰሪዕና ንቃለስ ዘለና ሓላፍነት ኣዝዩ ውሱን እዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ መጻኢት ሓዳስ ኤርትራ እቲ ወሳኒ ህዝቢ እዩ። ዕላማ ቃልስና ክጠቓለል እንከሎ እውን ናይ ህዝቢ ወሳንነትን ልዕልናን ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ዝረኽበሉ ስርዓት ምትካል እዩ። ስለዚ ኣብቲ ጽባሕ ብሕጋዊ ኣገባብ ብናጻ እንወዳደረሉን ህዝብና ብመንገዲ ሕገ-መንግስቱ ኣቢሉ ዝውስኖ ጉዳያት ኣቲና፡ ሎሚ መፈላለይ ዛዕባታት ምጽሕታር ንቃልስና ንድሕሪት ካብ ምጉታት ሓሊፉ ካልእ ዋጋ የብሉን። ሎሚ ኣብ ጉዳይ መሰል ብሄራት፡ ኣብ ሕቶ ሸሪዓ፡ ጉዳይ መሬት፡ ምምሕዳር ብዙሕነት፡ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ኣመላልሳ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ኣብ ኤርትራ ፍልልይ እንተልዩና፡ ነዚ ፍልልያት ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እንደክምን ቀዳማይ ምዕራፍ ቃስና ከነደናጉን ኣይግበኣናን። ኣብ ክንድኡ ከም ነጥበ-ፍልልይ ሒዝናዮ ናብቲ ጽባሕ ናይ መወዳእታ ልኡላውን ቀያድን ውሳነ ዝውስን ህዝቢ እንተቕረብናዮ እዩ ዝሕሸና። ስለዚ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብቲ ዘሰማምዓና ኣትኪልና ንቃለስ። ኣብዚ እንተኣድሚዕናን እቲ ብሓባር ምቅላስ እንተ ኣኽሲቡናን፡ ሎሚ ንፈላለየሉ ዛዕባ ጽባሕ ናብ እንሰማማዓሉ ናይ ምምዕባል ዕድል ኣለዎ። ስለዚ ፍልልያትና መሰረታዊ እንተዘይኮኑ፡ ከምዚ ናይ ቀረባ ተመኩሮ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃን፡ ፍልልያትና ዕሚቕ ኮይኑ ልኡላዊ ውሳነ ህዝቢ ዘድልዮ እንተኾይኑ ከኣ፡ ኣብቲ ንሰማማዓሉ ብንኡስ ፕሮግራም ኣብ ሰፊሕ ጽላል እንዳተሓጋገዝና ናብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብና እነካይዶ ናጻን ሕጋውን ናይ ኣተሓሳስባ ውድድር ክንበጽሕ ክንበቅዕ ይግበኣና።

ብዙሕነት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ጸጋ ወይ ብደሆ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ኣለዎ። ጸጋ ዝኾነሉ፡ ዝተፈላለዩ፡ ቋንቋታት፡ ባህልታት፡ ሃይማኖታዊ እምነታትን ምምሕዳራዊ ከባብታትን ዘወንን ሃብቲ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ዝጠቐስናዮ ብዙሕነት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግናን፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብመንጽር ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎን ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝወቀበን ዕንበባ መሮር ይምስልዎ። እቲ ብልጫ ዘለዎ እቲ ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘጌጸ ዕንበባ ከም ዝበሃግ ከኣ ይሰማምዑ። ንብልጫ ብዙሕነት ከኣ በዚ ይምስልዎ።

ብዝሑነት በዳሂ ወይ ፈታኒ ዝኸውን እዚ ዝተጠቕሰ ብልጫኡ ክውንን ብዘኽእል ኣገባብ ንምምሕዳሩ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ስለ ዘለዎ እዩ። ካብዚ ክሳነን ክከኣኣልን እንከሎ መልዕ ዝኸውን ንብዙሕነት ዘቕውም፡ ሃይማኖት ይኹን ጾታ ወይ ምሕዳራዊ ኣከባቢ መዚዝካ ላዕለዋይ ቦታ ኣትሒዝካ ንናይ ካለኦት ኣነኣኢስካ ናይ “ናተይ ይበልጽ” ኣተሓሳስባ ከተንግስ ክትፍትን እንከለኻ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝኾነ ወገን ንዓኡ ዝውክል መለለይ ብዙሕነቱ ክነኣኣስን ኣብ ታሕቲ ክስራዕን  ሕጉስ ስለ ዘይከውን መልሲ ንምሃብን ንምክልኻልን “ናተይከ ካብ ናይ መን ንኢሱ?” ስምዒት ይፈጥር እሞ፡ ወዮ መልክዕን ሓበንን ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ ብዙሕነት መዋጠጥን መረሓሓቕን ይኸውን። እዚ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋምን ሃሳይን ምዃኑ ንምርዳእ ኤርትራውያን ናይ ካለኦት ተመኩሮ ንጠቕሰሉ ዘይኮነ ናትና ዋጋ ዝኸፈልናሎ ናይዚ መዳይዚ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና።

እዞም ናይ ብዙሕነትና መለለይ ዝበልናዮም ዝውክልዎ ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ካብ ዝረኣየሎም ምኽንያታት ሓደ ከኣ እዚ ናይ ኣቀዋውማ ብዙሕነት እዩ። ስለዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምኽሳቱ ውሁብ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መፍትሒ ንኹሉ ጨፋሊቕካ ብፍቶት ኮነ ብግዲ ሓደ ወካሊ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣሳኒኻን ዝዓብየሉ ዕድል ሂብካን ምክእኣል ኣማዕቢልካ ቦታ መሰል እዩ።

እዚ ንምዕዋት ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሓደ ኣብ ትካላትን መድረኻትን ሸነኻውን ዘይሚዛናውን ዘይኮነ ምዕሩይ ውክልና ከተረጋግጽ ምብቃዕ እዩ። ምዕሩይ ውክልና ስለ ዝደለኻዮን ዝበሃግካዮን ባዕሉ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ፡ ብምዕብልና ዝጽለው፡ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ጽልዋታትን ዓቕምታትን ዝረጋገጽ እዩ። ከምቲ ንውክልና ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ብቕዓት ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ፡ ንብቕዓት ዝጓሰየ ውክልና እውን ዝያዳ ሓደገኛ እዩ። ነዞም ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ውክልናን ብቕዓትን ምስናይን ምቅዳውን ከኣ  ኣገዳሲ ግና ድማ በዳሂ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ ሓደ ኣካል ካብ ጸቢብ ቀጽሪ ናይቲ ዝውከለሉ ናይ ብዙሕነት ባእታ፡ ሃይማኖት ድዩ ኣውራጃ ወይ ጾታ ወጺኡ፡ ብዛዕባቲ ኩሉ ብዙሕነትና ኣሳንዩ ዝጻወተሉ ሰፊሕ ሜዳ ዝግደስ ኣተሓሳስባ ከተጥሪ ክበቅዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሓላፍነታዊ ኣድህቦ ኣብ ዝተጥርየሉ፡ እቲ ኣብ ምስልምና ዝኣምን ማዕረኡ ብዛዕባ ክርስትና ክሓስብ ይበቅዕ። እቲ ክርስትያ እውን ከምኡ። ወዲ ሓደ ኣውራጃ ማዕረቲ ኣውራጃኡ ብዛዕባ ካልኦት ኣውራጃታት እውን ይሓስብ። ኣብ ጾታ፡ ባህልን ካልእ መለለይ ብዙሕነት እውን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ስለዚ እቲ ኣካላዊ ውክልና ዝህልዎ ጽልዋ’ኳ ኣድላይን ዘይከሓድን እንተኾነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ስፍሓትን ምሉእነትን ግና ኣዝዩ ኣድላይ እዩ። ስለዚ ሓደ እምነት፡ ኣውራጃ፡ ጾታን ካልእን ህልውናኡ ብኣካላዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ እውን ክንዕቅኖ ይግባእ። ነዚ ዝያዳ ንምብራህ ብደግኡ ንእምነትካ፡ ንጾታኻ፡ ንኣውራጃኻ ዝመስል ክነሱ፡ ብኣተሓሳስባኡን ግብሩን ግና ንዓኻ ዘይመስል ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ። ገለ ግሩሃት ውሽጡ ከይመርመሩ፡ ዝተጠልሙ ክንሶም፡ ዝተወከሉ መሲልዎም ዝዕንድሩ ኣይሰኣኑን። እዚ ኣብ ጉርሒ ህግዲፍን ግርህነት ሰዓብቱን ብትሑት ደረጃ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኤርትራ ይገዝእ ንዘሎ ህግዲፍ፡ ከም ናይ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘቖመ ዝንባለ ወካሊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን ይብልዎ ንሓንሳብ እውን ሓደ ኣውራጃ ይዕድልዎ። ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ናትና እንድዩ” ዝብልዎን ኣብ ዕሩቕ ዝባኖምን ጥሙይ ከብዶምን ዝከላኸልሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ንሱ እቲ ጨቋኒ ጉጅለ ግና ኣይኮነንዶ ንሓደ ኤርትራዊ ዝንባለ ሃይማኖት ድዩ ኣውራጃ ንብምልእታ እታ ሃገርን ህዝባን እውን ዝውክል ኣይኮነን። ህግዲፍ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘመሓድር ዘይኮነ፡  ናቱ ኣካል ኤርትራዊ ብዙሕነት ዘይኮነ፡ ጸቢብ መእከቢ ዓንኬል ዘለዎ እዩ። መእከቢ ነጥቡ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ጾታ ወይ ካልእ ዘይኮነ፡ ኢሳይያሳዊ ዲክታተርነት  እዩ። መለለይ ኢሳይያሳዊ ዲክታተርነት ክኣ፡ ጭቆና፡ ዘይእዉጅ ሜላዊ ባርነት፡ ፍትሒ ምንፋግ፡ ኩሉ መሰላት ምኽላእ፡ ህዝቢ ምክፍፋል፡ ውግእ ምጽሕታር፡ ብልኡላውነት ሃገርን ልዕልና ህዝብን ምውጋይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ብትርጉም ሓይሊ ምግዛእ  እዩ።

ስለዚ ንህግዲፍ ክንስዕሮ ኣብቲ ብባህሪኡ ዘይክእሎ ድኹም ጐድኑ ክንበልጾ ይግበኣና። ንህግዲፍ ካብ ዘጸግሞን ዘይወሓጠሉን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣመሓዲርካ ሃገር ከተቕንዕ ሓላፍነት ምውሳድ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ዝሰልጦ ጸቢብ ስምዒታት መዝሚዙ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኣንጻሩ ዝስለፍ፡  ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝፋጠጥ ጌርካ ሃገር ናብ ቁልቁ ህዝቢ ድማ ናብ ብርሰትን ምብትታንን ምድፋእን ምንቋትን እዩ። ንሕና እምበኣር ነቲ ህግደፍ ዘጻውዶ  መፈንጥርያታት ንምፍሻል ብዙሕነትና ናይ ምምሕዳር ብቕዓትና ከነመስክር  ይግበኣና።

3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን፡ ካብ 29 ሓምለ 2019 ክሳብ 1 ነሃሰ 2019 ኣብ ጀርመን ከተማ ቪዝባደን ተኻይዱ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብዝኾነ መለክዒ፡ ምስ ዝኾነ መራሒ ሃገር ክወዳድር እንከሎ ኣብቲ ዝኸፈአ ቀዳማይ ወይ ካለኣይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ። ኤርትራ እውን ብሰንኩ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ጉዳይ  ልዕልና ሕጊ፡ ጉዳይ ድኽነትን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ክለዓል እንከሎ፡ መስርዓ ፍሉጥ’ዩ ኣብ መወዳእታ ወይ ኣብ ጥቓኡ እያ እትሰፍር። ከምኡ ስለ ዝኾነት እያ ከኣ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ሕማቕ ሳጓ ተጠሚቓ ዘላ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ክሳድ ንላዕሊ “ህዝበይ እዩ” ንዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ ብምብዳል ኣብ መስርዕ ጸሊም መዝገብ ጨቆንቲ እዩ ዝርከብ። ናብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ ገበናት ኣዝዮም ብዙሓት ኮይኖም፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ምስዋርን ዜጋታት፡ ዘበናውን ሜላውን ባርነት፡ ስደትን ፍልሰትን ዜጋታት፡ ምንፋግ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምንፋግ እምነትን ምውዳብን፡ ቁጠባዊ ግበታን ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፍካ ምሃብን ንኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ገበናቱ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ታሪኹን መሰሉን ጨውዩ ዝገዝኦ ዘሎ ዓመጸኛ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣይድግፎን እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክውገደሉ ዝጽበዮ ዘሎ ዲያብሎስ እዩ። ትጽቢት ብዘይ ተግባር ውጽኢት ስለ ዘየብሉ ግና ህዝብና ኢሳይያስ ክውገደሉ ምምናይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኣጠፋፍኣኡ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ፡ ማንም ዘይዓመሉ ሓላፍነት ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ናይ ኢሳይያስ ተንኮልን ጉርሕን ተጠቕሊሉ፡ ዝኾነ ኣገባብ ተጠቒምካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ሎሚ ህዝብና ብግቡእ ተረዲእዎ እዩ። ዋላ’ኳ ኢሳይያስ ስልጣኑ ንምሕላው እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሓዊስካ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለዩ ክፋፋሊ ገበናት ዝፍጽም እንተኾነ፡ ከቶ ካብ ዓይኒ ህዝብና ክሃድም ኣይክእልን እዩ። እነሆ’ኳ ሎሚ ወዮ ቀደም “መን ከምኡ” ዝበሃል ዝነበረ ዝተዓዛዘሮ ሰብኣይ “እዚ ህዝብን ሃገር ከጥፍእ ዝተላእከ ሰይጣን እዩ” ዝብል ድምጽታት ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ከይተረፈ ይጓዝም ኣሎ። እቲ ድምጺ ህዝቢ በዚ ጠጠው ኣይበለን መቓልሕ “ይኣክል” እውን ኣብ ኩሉ ኣንጐሎታት ኣስመራ ይጸሓፍን ይንበብን ኣሎ።  እዚ ነቲ “ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብሪየ” ዝበሃለሉ ዝነበረ ጉሒላ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝዓረደ ሰብኣይ ዝደፈረ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም መመሊሱ ዝስስን እምበር ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።

ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ጸረ-ህዝቢ ዝባህርያቶም መራሕቲ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምውራዶም ናይ ግድን እዩ። ተመኩሮ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ መዓመር ጋዳፊ፡ ሮበርት ሙጋበ ኮነ፡ ሑስኒ ሙባረክ ናይዚ ኣብነት እዩ። እነሆ ከኣ ሕጂ ኣብ ድርኩዂት ኢሳይያስ መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ከምቲ “ዝኹዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ” ዝበሃል፥  ኣብታ ዝኣስረላን ዘሳቕየላን ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ተዳጒኑ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ጀሚሩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተገልጸ ገበናት መራሒ ሱዳን ነበር ክምዘን እንከሎ፡ ናይ ኢሳይያስ ገበን ካብኡ ኣዝዩ ዝኸብድ እምበር ዝፈኩስ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በሽር ናብ ሱዕድ ዓረብን ኤመረትን መገሻ ናይ ምብዝሑ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ብጸቢብ ተታሒዙ ምስ ተናዘዘ ምልክታቱ ይረአ ኣሎ። ናይ ኢሳይያስ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ምስውስው ምባል እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይክኸውንን እዩ። ምዃን ናይ ኢሳይያስ እኳ ክሳብ ተኣሲሩ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብ ተሓቢኡ ዝጸንሕ ምስጢር ዘይኮነ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብሚልዮናት ዶላር ኣካርዩ ዶላራት ከጓርት ይውዕል ከም ዘሎ ድሮ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ እዩ። ስለዚ ምናልባት ይድንጒ እምበር፡ እቲ ናብ ዝኾዓትካያ ጉድጓድ ምእታው ስለ ዘይተርፍ ኢሳይያስ፡ ጭሕሚ ዓርኩን ጐረቤቱን ካብ ተላጸየ፡ ጭሕሙ ማይ ክለኪ ኣብ ርእሲቲ ባዕሉ’ውን ዘይስሕቶ ከነዘኻኽሮ ንደሊ። በሽር ኣብ ኮበር ካብ ተኣስረ ኢሳይያስ ኣብ ዒራዒሮሞ ይጽናሕ ኣብ ሰንበል ወይ ካርሸሊ ዘይእሰረሉ ምኽንያት የለን።

ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ዝዘነበ ናይ ለውጢ ማዕበል፡ ንዓኡ እውን ከምዘይገድፎ ተረዲእዎ ኣሎ። ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ለውጢ ከምዚ ጀሚርዎ ዘሎ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምንጻፍ ናብ ዘኽእል ደረጃ እንተበጺሑ፡ ናብኡ ከም ዝመጽእ ግድን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ እቲ ማዕበል ኣብኡ ከይበጽሐ ምእንቲ ክከላኸሎ ከበላሽዎ ፈቲኑ እዩ። ኣብ ሱዳን እቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ በይኑ መሰጋገሪ መንግስቲ  ክምስርት እሞ ናይቲ ሲቪል ተቓውሞ ቀጺሉ እቲ ምፍሳስ ደም ክቕጽል ድሌት ኢሳይያስ ከም ዝነበረ ርኢና። ከምኡ እንተዝኾነሉ “ለውጢ ሳዕቤኑ ከምዚ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ እዩ እሞ ኣየድልን” ክብል ህርፋን ከም ዝነበሮ ምልክታቱ ርኢናዮ ኢና። ሱዳናውያን ግና፡ ነቲ ኢሳይያስ ዘገላግል ዘይብሎም በይኖም ምእንቲ ክባልዑ፡ “ናይ ደገ ኢድ ኣይተእትዉ” ዝብል ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ ምኽሩ ነጺጎም፡ ሳላ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን መንጎኝነት ዝተቐበሉ ኣንጻራዊ ህድኣት ምፍጣሮም ንኢሳይያስ መዓንጣኡ ኣሕሪርዎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ስዕረት ኢሳይያስ ድርብ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ሱዳን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ከይዱ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ዞባዊ መዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ተሳዒሩ። እቲ ዘገርም ከኣ ወዮ ንሱዳናውያን ናይ ደገ ኢድ ከይኣትዎም ዝመክር ኢሳይያስ፡ ተገልቢጡ ንሶማላውያን ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ኣምጺኡ ከሰልጥን ኣብ ዝጀመረሉ ምዃኑ፡  ክሳብ ክንደይ ኣብ ተጋራጫዊ ዓለም ይነብር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ኤርትራውያን ሓደን ብዙሓትን ኢና። ኤርትራውነትና ናይ ሓደነትና መርኣያ እዩ። እዚ ዝበረኸ ናይ ሓባር መርኣያናን መለለይናን እዩ። እዚ ብ”ንሕና” ዝግለጽ ኤርትራዊ መንነትና መሰረታዊ ናይ ሓባር ብደሆ ከጋጥመና እንከሎ መኪትና እንስዕረሉ ፍቱን መሳሪሕናን ምንጪ ብርታዐናን እዩ። ናይዚ  ሓደነታዊ መለለይና ፍቱን ተዓዋትነት ኣብ ዝተፈላለዩ ወሰንቲ ኣጋጣምታት ዝተመስከረ እዩ። ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ከኣ ብዙሓት ብዘደነቕዎ ኣብነታዊ ጽንዓት ተረጋጊጹ እዩ። እዚ ዝና ብጥራዩ ዝተወፈየ ህያብ ዘይኮነ፡ ሳላ ብሓባር ጸኒዕና መኪትና፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ተመጊብና ኣብ ናይ ሓባር ጉድጓድ ዝተቐበርና ዝተረኽበ ናብ ቀጻሊ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ውርሻ እዩ። እዚ ብ”ንሕና” ዝግለጽ ኤርትራዊ ውሁድ ዓቕምና ሓንሳብ ኣዕዊቱና ዝበንን ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ወሳኒ ናይ ሓባር ወፍሪ ዝሓትት መድረኽ እንጥቀመሉ ምስጢር ተዓዋትነትና እዩ። እነሆ ሎሚ ሃገርናን ህዝባን ብሰንኪ ጥልመት ኢሳይያስን ኰራኩሩን ኣብ ቀረና መንገዲ ተጠው ኣብ ዝበልናሉ ወሳኒ ኣጋጣሚ’ውን፡ ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና፡  ኤርትራዊ ሓድነትና ኣጽኒዕና፡ ኣብ ክንዲ “ንሕናን ንሳቶም”፡ ዓው ኢልና፡ “ንሕና” ዝብል ድምጽና ከነበርኽን ናይ ሓባር ቅልጽምና ከነተርንዕን ኣብ እንግደደሉ ደረጃ ንርከብ ኣለና።

እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ብግቡእ ከነመሓድሮ እንከለና፡ መልክዕናን ናይ ብቕዓትናን ዓቕምናን መንጭን ዝኸውን፡ “ንሕናን ንሳቶምን” እንተተበሃሃልናሉ’ውን ዘየኽፈኣልና፡ ናይ እምነት፥ ዕድመ፡ ጾታ፡ ኣውራጃ፡ ውደባ፡ ብሄር፡ ሞያ፡ ደረጃ መነባብሮን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ብዙሕነትና ብምዝንጋዕን ቦታ ብዘይምሃብን ኣይኮነን። ኤርትራውያን ሓደን ብዙሓት ኢና ክንበል እንከለና፡ ሓደነትናን ብዙሓነትናን፡ ነናቶም ዘይራኸብ ህልውና ኣለዎም ማለት  ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕዶም ተጸላለውትን ተመላላእትን ምዃኖም ከቶ ክዝለል ዘየብሉ መሰረታዊ ተረድኦ እዩ። ሓዲኦም ብዘይካቲ ካልእ ህውልና የብሎም። ሓደነታ ዝሓለወት ግና ድማ ናይ ህዝባ ብዙሕነት ዘየውሓሰት ኤርትራ ሰላም ኣይትኸውንን። ብዙሑነቱ ዘውሓሰ ህዝባ፡ እውን ብዘይ ብሓድነት ዝዋሰኣላ ውህድቲ ሃገር ኣይቀስንን። ስለዚ ከከም ኩነታቱን ኣድላይነቱን መዓስ “ንሕናን ንስኻትኩምን” ንበሃሃልን ንመላላእን፡ መዓስከ “ንሕና” ኢልና ሃገርን ህዝብን ከነድሕን ሰሚርና ንነቅል ክንግንዘብ ይግበኣና። ሃገር ብዘይህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይሃገር፡  ምሉእነት የብሉን ኢልካ ምጥቕላል’ውን ዘጸገም ኣይኮነን።

ኣድላይነት “ንሕና” ዝብል ድምጽና ብምራኽ፡ ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ንርከበሉ ዘለና ናይ ፈተና ግዜ ብሩህ እዩ። ፋሕ ዝበለ ኩለመዳያዊ ዓቕምናን ናይ ቃልሲ ንዋትናን ኣኪብና ኣድማዒ ዓቕሚ እንፈጥረሉ መሳርሒና እዩ። ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ዓቕምና ኣዳኺሙ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ንዝብህግ ህግዲፍን ላሕኩታቱን ኣፍደገ እንዓጽወሉ ፍቱን መድሃኒት እውን ንሱ እዩ። ከምቲ ብሓባር “ንሕና” ኢልና እንተተንሲእና ምዕዋትና ውሁብ ምዃኑ ዘይንስሕቶ፡ ጸላኢ ህዝብና ብወገኑ እዚ ናይ “ንሕና” ንቕሎ ዕድሚኡ ዘሕጽር ማዕበል ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ዝርድኦ እዩ። እዚ ናይ ክልቴና ወገናት ተረድኦ፡ ሎሚ ኣብዚ ኣንጻር ህግዲፍ ንጠማጠመሉ ዘለና ግዜ ዝጀመረ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ “ንሕና” ዝዕጥቁ ህዝቢ እንዳተዓወተ፡ ኣንጻርዚ ማዕበልዚ ዝተሰለፉ ገዛእትን ጨቆንትን ወገናት ከኣ እንዳተሳዕሩ ዝመጽሉ ናይ ተመኩሮና ሰንሰለት እዩ።

ንጉጅለ ህግዲፍ ወሲኽካ፡ ጨቆንቲ ንስዕረት ተገዲዶም እምበር፡ ኣሜን ኢሎም ክቕበሉ ባህሪኦም ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ማእከል እቲ ሰሚሩ ንመሰሉ ዝቃልስ ህዝቢ ኣትዮም ናይ “ገረብ ብሓኽላ” እኩይ ጥበብ ተጠቒሞም ናይ ህዝብና “ንሕና” በሃልነት ከፋፊሎምን ኣፍሪሶምን፡ ኣብቲ ናይ ሓባር መኸተ ዝድለየሉ ህሞት፡ ብ”ንሕናን ንስኻትኩምን” ኣጠማሚቶም ክበታትንዎን ብዘይመሰረታዊ ረብሓን መብጸዓን ጠቢሮም፡ ከፋጥጥዎን ብዝዙሕ ፈቲም እዮም። እንተኾነ ህዝብና፡ መዓስን ብኸመይን ኣበይ ንምብጻሕ፡ ብሓባር “ንሕና” ወይን “ንሕናን ንሳቶምን” ይባሃሃል ስለ ዝፈልጥ፡ በቲ ዝደልይዎ ደረጃ ግዳዮም ኣይኮነን። ሎሚ እውን ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘይምሃር ህግደፍ፡ ህዝብና ኣንጻሩ ሆ ኢሉ “ንሕና ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ” ኢሉ ምእንቲ ከይለዓሎ፡ ተንኮላት ካብ ምፍሓስን ከፋፋሊ መርዚ ካብ ምንጻግን ዓዲ ኣይወዓለን። ውጽኢቱ ከመይ ይኸውን ኣሎ ግና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ኣብቲ ንኹልና ኤርትራውያን ብዘይኣፈላላይ ዝምልከት ጉዳይ “ንሕናን ንሳቶም” ተበሃሂልካ ምጥምማት እንዳተረፈ፥ ብኣንጻሩ “ንሕና” ዝብል ንቕሎ እንዳበረኸ ይመጽኣ ኣሎ። እዚ እዩ ከኣ እቲ ህግዲፍ ዝሰዓረሉ ፍቱን መሳርሒ።

ጸላኢና ረብሓኡ ኣብ ምርሓሓቕና ምዃኑ ተረዲእና ኣለና። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሎም፡ “ህግዲፍ ብሓያልነቱ ዘይኮነ ብድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉ ናይ ለውጢ ኣካላት ዝዕንገል ስርዓትዩ” ዝብልዎ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። ነዚ ካብ ተረዳእና እቲ መፍትሒኡ ቀሊልን ኣብ ኢድና ዘሎን እዩ። ነቲ ንሱ ንብዙሕነትና ብግጉይ መልክዕ እናመዝመዘ ከናቑተና ዝፍትነሉ ኣፍደገታት ብድምጺ “ንሕና”  ክንልኩቶ ይግበኣና። ህግዲፍ  ከከም ኩነታቱ ካብቲ ብዙሕነትና ንሓንሳብ ሃይማኖት፡ ንሓንሳብ ድማ ኣውራጃን ጀኦግራፍያዊ ኣሰፋፍራናን (ከበሳን መታሕትን) መመሺቱ ፍልልያት እንዳባልሐ እዩ ዝነብር። እቲ ሓደ ተንኮል ምስራሕ ምስ ኣበዮ እቲ ካልእ ይመዝዝ። ንሓንሳብ ነቲ ሓደ ወይለኻ ይብሎ ነቲ ካልእ ከኣ ኣጆኻ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ ነቲ ኣጆኻ ክብሎ ዝጸንሐ ወይለኻ ምባል ኣየጸግሞን። ኣብዚ ኩልና ክንፈልጦ ዝግበና እዚ ጨቋኒ ስርዓት ብዘይካ ናይቶም ንጨቋንን ጸረ ህዝብን ኣተሓሳስባኡን ዝረዓሙ መጣፍእቱ፡ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣካል ፈታዊ ዘይምዃኑ እዩ። ህግዲፍ ክፈቱ እንከሎ ኮነ ክጸልእ፡ መለክዒኡ ጨቋኒ ኣተሓሳስባ እምበር፡ ሃይማኖት ኮነ ብሄር ወይ ኣውራጃ ኣይመርጽን እዩ። ነዚ መድሃኒቱ ከኣ፡ ንመቓልሕ “ንሕና” ዓው ምባል’ዩ።

ቃልና ብተግባር

Wednesday, 14 August 2019 08:23 Written by

ሎሚ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋና እንዳነጸረ ይመጽእ ኣሎ። ገሌና ኣብ መስርዕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፍና ኣለና። መሰረታዊ ዕላማ መስርዕና ከኣ ንሃገርናን ህዝብናን ሓመድ ድፋጨኦም ዘስቲ ዘሎ ምልካዊ ምምሕዳርን ናይ ምልኪ ትካላቱን ኣወጊድካ፡ ብልዕልና ህዝቢ ዘውሕስ፡ ንኤርትራዊ ብዝሑነትና ግቡእ ክብርን ኣፍልጦን ዝህብ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ምትካእ እዩ። ብኣንጻርዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ግዳያት ናይቲ ወጽዓ፡ ንዓለም እውን ዘገረመ፡ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ በደል “ርእዮም ከም ዘይረኣዩ” ብምዃን ምስ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተሰለፉ ግዝያዊ ጠቕምን ዕዉር ስሚዒትን ዘንበርከኾም ኤርትራዊ ወገናት ኣለዉ።

ኣብዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ወጻእን ሃገርናን፡ ውዑይ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ንፋስ ዝነፍሰሉ ዘሎ ግዜ፡ ደንበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣዝዩ እንዳሰሰነ ይኸይድ ኣሎ። ብኣንጻሩ ደንበ ምልክን ወጽዓን መመሊሱ እንዳተራገፈ ይምህምን ኣሎ። ብዙሓት እቲ ናይ ኩሉቲ ወጽዓ ተሓታቲ ዝኾነ ጉጅለ “ንሓዋሩ ከሰንዩኒ እዮም” ኢሉ ዝንየተሎም ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት፡ ገለን ናብ ደንበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጽንበሩ እንከለዉ ገለን ድማ ካብኡ ርሒቖም ድምጾም ዘጥፍኡ ኣለዉ። እዞም ድምጾም ኣጥፊኦም ኣጽቂጦም ዘለዉ ናይ መወዳእታ ሰልፎም ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታት እምበር፡ ናብ ደንበ ወጽዓን ጭቆናን ከቶ ኣይክምለሱን እዮም።

ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሸቶና ሓደ ንሱ ከኣ፡ ንወጽዓ ኣወጊድካ ብራህዋ ምትካእ እዩ። ኣተሃላልዋና ግና ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ናይ ምልዕዓል ንቕሎታትን ካብቲ ኣተሃላልዋና ዝግለጸሉ መልከዓት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኮኩርነዓቶም ሒዞም ብውልቆም ኣብ ደንበ ለውጢ ዝነጥፉ ኤርትራዊ ባእታታት እውን ኣለዉና። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ነዚ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ዓቕምታት ናብ ሓደ ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምቕናዩ መሰረታዊ ዕማም ኣብ ቅድሜና ምህላዉ እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን ከኣ፡ እዚ ግዜ ዘይህብ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ኣገዳስነቱን ኣድላይነቱን ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ ምህላዉ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት፡ ክንእውጅ፡ ክንምድርን ክንጽሕፍን እንከላና  ነዚ ተደላይትዚ ኢና ቅድሚት ንሰርዖ ዘለና።

ብመጽር እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብነታዊ ሓድነታዊ ጉባአኡ ዘሰላሰለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እኳ ኣብቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ደንበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝወሰኖ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡

“3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድኤ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤

3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤

3.3 ብሓሳብን ብግብርን ምስ ዝሰማምዑና ውድባት ኣብ ናይ ምጽንባር ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡  መሪሕነት ውድብ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ወሲኑ።” ብዝብል ኣስፊሩ፡ ወግዓዊ  ናይ ብሓባር ዘስርሓና ሓባራዊ ጽላል ንፍጠር ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ ኣሎ።

ሎሚ ምስቲ ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መመሊሱ ይገድድ ምህላዉ፡ ናትና ቅሩብነት ብሓባር ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ምቅላስ እውን ይዓቢ ኣሎ። መቓልሕ “ይኣክል” ናይዚ ተስፋ ዝህብ መጻኢ ሓባሪ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ክደክም እንከሎ ናይ ለውጢ ደንበ’ውን ማዕሪኡ ምድካም ይቕየር ኣሎ። ንሱ እቲ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ክቃላዕን ከንቆልቁልን እንከሎ፡ ደንበ ለውጢ ብኣንጻሩ ክሕይልን ክሰፍሕን ንዕዘብ ኣለና። ብሓባር ዘስርሕ መድረኽ ንበሎ ጽላል፡ ግንባር ንበሎ ምሕዝነት ኣገዳስነቱ ወሳኒ እዩ። ክንድቲ ወሳኒ ኣድላይነቱ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ እውን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተደኣ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ንቕድሚት ኣማዕዲና፡ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ክቡር ግና ከኣ ክንከፍሎ እንኽእል እዩ። ብሰንኪ ክንጸዋወርን ክንመላላእን ዘይብምቃዕና፡ ቃልስና ተናዊሑ ወጽዓ ህዝብና ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ከም ዝመረረ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ገጠራትና ኮነ ከተማታትና ዕንዩ ሰብ ዝሓረሞ ኮይኑ። በዚ ዘለናዮ እንተቐጺልና እቲ ዕንወት ክሓዊ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ክዓርግ ከም ዝኽእል ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ስለዚ እቲ ክንፈጥሮ ዝግበኣና ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክፍጠር ይግበኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቕልጥፍ እምበር ይግበኦ።

ብሓባር ዘስርሓና መድረኽ ክንፈጥር ድሉዋት ምህላውና በበቲ ዝጥዕመና ኣገባብን ኣጋጣምን ቃል ኣቲና ኣለና። ቃል ብዘይተግባር ግና ደርፊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ክንፈጥሮ ዝግበኣና  ግብራዊ ናይ ሓባር መድረኽ፡ ንዝኾነ ቅሩብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘየግልል ኣብ ውሱን ዘሰማምዕ ዛዕባ ዘትከለ ክኸውን ይግበኦ። ስለዚ ኩላትና ኣእዳውና ክንሕውሰሉ ድሉዋት ንኹን። ሎሚ ከምቲ “ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የጸንበዓ” ዝበሃል፡ ዝጠምረና ናይ ተግባር ውዳበ ከድልየና እዩ። ውድባት ኣየድልያን፡ ማሕበራትባ ኣየድልያን፡ ዝበሃል ዝንባለ ስለ ዘየዋጸኣና፡ ካብኡ ክንወጽእ ይግበና። ሰልፊዶ ማሕበር፡ ነባርዶ መንእሰይ …… ወዘተ ተበሃሂልና ከይተጸዋወግና ብሓባር እንተሰሪሕና ከም እንመላላእ ክንእመን ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይገይርና ነቲ ጸበብቲ ስምዒታትና እንዳመዝመዘን እንዳናቖተን ዕድሚኡ ከናውሕ ዝሕልን ደንበ ወጽዓ ኣይክንስዕሮን ኢና። ስለዚ እቲ ብሓባር ክንሰርሕ ድሉዋት ምዃና እንኣትዎ ዘለና ቃል፡ ክንትግብሮ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ንተንስእ። ፈውሱ ኣብ ኢድና ብዘሎ ሕማም ክንሳቐ ኣይግባእን።

ከም-ዝፍለጥ ብወገን ኣሥመራ፥  ጥዑም ዜና ካብ ዘይስማዕ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ሕጂ በጺሑ’ውን፥ ሠናይ ዜና ክስማዕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ’ዩ ሕጂ’ውን። ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን ሃገር ዝበታትንን፥ ሓዲሽ ዘራጊቶ ንፋስ ክነፍስ ዝስማዕ ዘሎ። የግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፥ እቲ ድሮ ተጻዒኑና ዘሎ ጸገም፥ ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ ከቢዱና እናሃለወ ከሎ። ካልእ ተወሳኺ ጸገም ክህልወና ኣይምደለናዮን። ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ፀረ-ሕዝብን ፀረ-ሃገርን ዝኾነ ኣጀንዳ ሒዞም፥ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት ግና፥ ነቲ ሃገር ሰላም ክህቡዎ ዝደልዩ ኣይኮኑን። ከመይሲ ንሳቶም ኣብ ህውከትን ዕግርግርን እምበር። ኣብ ሰላም ዝረኽቡዎ ረብሓ የልቦን።

ከም-ዝፍለጥ ሕዝቢ-ኤርትራ ኣብዚ ግዜ’ዚ። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፥ ቆፍኡ ከም-ዝተተንከፎ ንህቢ ኮይኑ “-ይኣክል-!!! -” ኣብ ዝብለሉ ሰዓት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኃያል ተቓውሞ’ዚ ከኣ። ንዓታቶም ነቶም ብመሰል ሕዝብን ሃገርን እናተጻወቱ፥ ክነብሩ ዝደልዩ ሰብ-ፖለቲካ፥ ቅሳነት ክህቦም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ፖለቲካዊ ረስኒ’ዚ ዝፈጠሮ ዘራጊቶ ንፋስ ከኣ’ዩ። ሕጂ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዕላማ ዝገበረ፥ ሓዲሽ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ተዓጠቕ ተሸብሸብ ኣብ ምባል ዝርከቡ ዘለዉ። ብዝተረፈ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ሕጂ ከም ኣርእስቲ ክለዓል ምንም ምኽንያት ኣይነበሮን። ከመይሲ ቅድሚ 15-ዓመት ሕሳቡ ተዓጽዩ ዝተቐመጠ መዝገብ ምዃኑ፥ ንሕና ጥራይ ዘይኮንና ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን ይፈልጥ’ዩ።

ከመይሲ እቲ ብማእከልነት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝምራሕ ዝነበረ ሲኖዶስ። ድሮ ኣብ 05/05/1998 ዓ/ም (15/01/2006) ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪዱ፥ ንመቑሕ ኣሕሊፉ ከም-ዝሃቦም እናተፈልጠ ከሎ። ስለምንታይ ሕጂ ድሕሪ 15-ዓመት። ኣብ ልዕሊኦም ከም-እንደገና ኵናት ክኽፈት ይድለ ከምዘሎ። ንዝኾነ ክሓስብ ዝኽእል ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፥ ብቐሊል ምርድኡ  ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ምንም’ኳ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ሕጋዊ ናይ ሃገረ-ኤርትራ ፓትርያርክ ምዃኖም ዝፍለጥ እንተኾነ።  እቲ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ  ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺሩ ዝርከብ ዘሎ ኃይሊ ግና። ን15-ዓመት መመላእታ ኣብ መቑሕ ኣእትዩዎም’ዩ ዝርከብ ዘሎ።

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግና። ሕጂ ብሃንደበት ነገር ኣለዓዒሎም “-መናፍቅነቶም ስለ-ዝተረጋገጸ ብውግዘት ክፍለዩ-” ኢልካ ውሳኔ ምሃብ። እንታይ ዝዓይነቱ ትርጉም’ዩ ከስምዕ ዝድለ ዘሎ-? ብርግጽ ድማ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ሕቶ’ዩ። ከመይሲ እዚ ነገሩ ተወዲኡ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ። እንታይ ንምድላይ’ዩ ወይ ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ “-ገበን ኣቡነ-እንጦንዮስ ዘቃልዕ ሰነዳት፥ ምስ ዝርዝር መግለጺታቱ ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል፥ ደም ከይነጥረኩም ዝዓይነቱ ምፍርራህ ክግበር ዝድለ ዘሎ-?! ንምዃኑ እንታይ’ዮም ኮይኖም እዞም ሰባት-? ወይ እንታይ’ዩ ወሪዱዎም -? ዘየብል ኣይኮነን። እሞ “-እቲ ንዓመታ ዝጽለልሲ፥ ሕጂ እምኒ ምድርባይ ይጅምርዶ ክንብል-”

ብዝተረፈ እቲ ሓቁ ክፍለጥ እንተደኣ ኮይኑ። እቲ ታሪኽ ከም-ዝብሎ። ንናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ምውራድ። ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ደገፍን ኣፍልጦን ክትህብ ተባሂሉ። ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ንኣባ-ዲዮስቆሮስን ኣባ-ማርቆስን ኣኸቲሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንሃገረ-ግብጺ በሪሩ ከም-ዝኸደ ዝፍለጥ’ዩ። ከመይሲ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን መንበረ-ማርቆስ፥ ሓንቲ ስጉምቲ’ኳ ክኸዱ ከም-ዘይክእሉ ኣጸቢቖም ዝርድኡዎ ጉዳይ’ዩ ነይሩ። መንገዲ ግብጺ ግና ንሳቶም ከም-ዝሓሰቡዎ፥ ብቐሊል ክሕለፍ ዝኽእል መንገዲ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ስለ-ዝኾነ’ውን እቲ ከምቲ ዝዓይነቱ ጸወታ ሒዝካ። ኣብ ቅድሚ’ቶም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም፥ ቅዱስ-ፓትርያርክ ሺኖዳ-3ይ ምቕራብ።  ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቦ ቀሊል ክኸውን ኣይከኣለን። ዘምጽኣኩም ጉዳይ ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ ድማ። እቲ ሚዛኑን ዓቐኑን ዘይፈልጥ ዝነበረ ዮፍታሔ’ዩ። ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብምውንጃል ክዛረብ ኢሉ ዝተላዕለ። ፓትርያርክ-ሺኖዳ ግና ነዚ ዓሻ ድፍረት’ዚ ክዕገሱዎ ስለ-ዘይከኣሉ  “.... ጳጳሳት ኣብዚ ከለዉ ንስኻ ክትዛረብ ኣይፍቀደካን’ዩ ....” ብምባል ገኒሖም ደው ምስ-ኣበሉዎ። እቶም ክልተ-ጳጳሳት’ዮም፥ ኣብቲ እንታይ ምዃኑ  ጫፉን ወሰኑን ዘይፈልጡዎ ጉዳይ  ኣትዮም። ዝሕዙዎን ዝጭብጡዎን ጠፊኡዎም፥ ነገር ክዘባርቑ ዝተራእዩ። ከመይሲ ንሳቶም ከም ዓጀብቲ ደኣዮም ካይሮ ከም-ዝኸዱ ዝተገብረ እምበር። እቲ ዓይኑ ተዃሒሉን ቀርኑ ተሳሒሉን ዝኸደስ ባዕሉ ዮፍታሔ’ዩ ነይሩ።   

እቲ ጉዳይ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ምስ ሰምዑዎ ድማ  “....በዚ ትብሉዎ ዘለኹም ምኽንያት ፓትርያርክ ካብ ሥልጣኑ ክወርድ ኣይክእልን እዩ። ብዝኾነ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ ክርአ ክኽእል ኣለዎ። ወይ ንሕና ኣሥመራ ክንመጽእ፥  ወይ ከኣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ናብዚ ናብ ግብጺ ክመጹ። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ ፣ ውሳኔ ከም-ዝረክብ  ከይተገብረ ግና። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ክእለዩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ’ውን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንዓና፥ ትማሊ ኮነ ሎሚ ሕጋዊ  ፓትርያርክ እዮም....” ዝብል ኣቕዋም ብምሓዝ’ዮም፥ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ቁርጹ ነጊሮም ዘፋነዉዎም። እዚ ከኣ ብቐሊል ተጣሒሱ ክሕለፍ ዝኽእል ውሳኔ ኣይነበረን። ኣብቲ ኣርሒቖም ክጥምቱ ዝኽእሉ ለባማት ዘይነበሩዎ ደምበ ግና። እቲ ከኸትሎ ዝኽእል ዝነበረ ሳዕቤን’ውን፥  ክርድኦን ክመዝኖን ዝኽእል ኣይነበረን።

ብመሠረቱ’ውን ቅድሚ’ዚ ዝተባህለ ኩሉ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ 02/05/1998 ዓ/ም (11/01/206) ዘመሓላለፉዎ ቃል-ውግዘት ነይሩ’ዩ። ከመይሲ ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ፥ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናውን’ዩ ብምባል ድሕሪ ምንጻጎም። ከምኡ’ውን እቶም ጳጳሳት “-ፓትርያርክ, ጳጳስ, ካህን ከይሾሙ፥ ብሥልጣነ-ኣብ  ወወልድ  ወመንፈስ-ቅዱስ-” ኣውጊዞም ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ቃል-ውግዘት’ዚ ከኣ፥ ብዝኾነ ተኣምር ተጣሒሱ ክሕለፍ ዝግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብኃይሊ ፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ሲኖዶስ ግና። ምስ ከመይ ዝኣመሰለ፥  ከቢድ መርገም ከኸትል ዝኽእል ሓደገኛ ጉዳይ ገጢሙ ከም-ዝነበረ፥ ክርድኦ ዝኽእል ዝነበረ’ውን ኣይመስልን።

ንክንድቲ ዝኣክል ክብደት ዝነበሮ ውግዘት፥ ክርዳእ ዝኽእል ንቕሓት ግና፥ ኣብቲ ሲኖዶስ-ጳጳሳት ነይሩ ኢልካ ክዝረብ ኣይከኣልን። ስለዚ ድማ’ዩ ኣጀንዳ-ፖለቲካ ንምትግባር ክበሃል፥ ነቲ ዝተሓላለፈ-ውግዘት ተሰጊሩ።  ብዕብዳን ክግለጽ ኣብ ዝኽእል ውሳኔ ክብጻሕ ዝተራእየ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም (2007) 4ይ-ፓትርያርክ ብምባል፥ ንናይ ሰራየ ሃገረ-ስብከት ጳጳስ። ማለት ንኣቡን-ዲዮስቆሮስ 4ይ-ፓርያርክ ኢሎም ክቕብኡዎም’ዮም ዝተረኽቡ።እዚ ሢመት’ዚ ብደረጃ ማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ከቢድ ወቐሳን ተቓውሞን ኣልዒሉ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። ነቲ ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ዝተመርጸ ሲኖዶስ ግና፥ እዚ ኩሉ’ዚ ዝኸብዶ ኮይኑ ክርከብ፥ እቲ ናይ ንቕሓቱ ደረጃ ዝፍቐደሉ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ብዝተረፈ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ካብ ዝዓርፉ ድሮ ጥቓ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ደኣ’ዩ ክሳብ ሕጂ ካልእ መቐጸልታ ፓትርያርክ ካብ ምሻም ዓጊቱዎም ጸኒሑ-? ዝብል ሕቶ ክቐርብ ግቡእ’ዩ። እወ እቲ ውግዘት ጥሒሶሞ ካብ ዝኸዱ ድሮ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እሞ ክሳብ ሕጂ ደኣ እንታይ’ዩ ዓዚሙዎም ዝጸንሐ-? ከም-ዝፍለጥ እቲ ነባ-ዲዮስቆሮስ ፓትርያርክ ንምግባር ዝወሰዱዎ ስጉምቲ። ካብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ብብዙሕ ከም-ዝኹነኑን ከም-ዝንጸሉን ገይሩዎም ስለ-ዝጸንሐ። ካልኣይ ግዜ ደፊሮም ክኣትዉዎ ክሕሰብ ዝኽእል ኮይኑ ኣይጸንሐን። ሕጂ ብሃንደበት ክለዓል ምኽንያት ክኸውን ዝኸኣለ ግና፥ ንኣተሓሳስባ’ቲ ሕዝቢ ከፋፊልካ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብቲ 10 ሓምለ 2011 ዓ/ም (17/07/2019) በቲ ሲኖዶስ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ግና “-ቅዱስ-ሲኖዶስ ብዘለዎ ልዑላዊ ሥልጣን፥ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያንን ዕቅበተ ሃይማኖትን-” ክብል፥ ኣብዚ ውሳኔ’ዚ ክበጽሕ ከም-ዝተገደደ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ኣዚዩ ዘገርም ትንታኔ’ዩ። እዚ ሲኖዶስ’ዚ ግና ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥  ጉልባቡ ተቐሊዑ ወይ ተጋሊጹ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ኩሎም ጳጳሳት ኣብ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ መንበረ-ፓትርያርክ። ብሪጋዴር ጀረናል ኣብርሃ ካሣ ዝመርሖ ጉጅለ መንግሥቲ። እናተባራረዩ ነቲ መድረኽ መንበረ-ፓትርያርክ ክዋስኡሉ ተራእዮም እዮም። እሞ ኣበየናይ ቁም-ነገር ከም-ዝወዓሉ ደኣ’ዮም ሕጂ “-ብዘሎና ልዑላዊ ሥልጣን፥ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያንን ዕቅብተ ሃይማኖትን-”  ክብሉ ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓቂ ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-? በዚ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ስለ-ዘየልቦ “-ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ-” ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ። ንሳቶምሲ ያኢ-!! ሓለይቲ ቤተ-ክርስቲያን ኢሉ ኣሚኑ ዝቕበሎም ክረኽቡ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ነታ ዋና ዝሰኣኑላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳኦም ከም መጋበርያ ክጥቀሙላ ምድላዮም እንተ ዘይኮይኑ። ሕቶ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም ሓዲሽ ኣርእስቲ ኮይኑ፥ ክለዓል ዘግብር ምኽንያት ፈጺሙ ኣይነበረን። ድሮ ካብ ዝሓለፈ 15-ዓመት ኣትሒዞም፥ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ማእሰርትን ስቓይን ደኣ ሕጂ “-ንክሕደቶምን ገበኖምን ዘቃልዕ ሰነዳት፥ ምስ ዝርዝር መግለጺታቱ ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል ዝግበር ዘሎ ፈኸራ ደኣ፥ ንመን’ዮም ከፈራርሁ ወይ ክድህሉ ዝደልዩ ዘለዉ-? ግዳስ ንዓታቶም ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር። በዚ ዝፈርሃሎም ወይ ዝደሃለሎም ይርከብ’ዩሲ ኣይንብልን ኢና።

ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ብግልጺ ከም-ዝፈልጡዎ። እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝግበር ዘሎ ተሪርን ኃያልን ተቓውሞ። ነቲ ሕዝቢ ናብቲ ብፓትርያርክነት እንጦንዮስ ዝወረደ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት። ጸኒዑ ደው ከም-ዝብልዩ ገይሩዎ  ዝርከብ ዘሎ። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ድማ “-ሊቀ-ጳጳሳቲነ እንጦንዮስ-” እናተባህለ’ዩ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ቅዳሴ ክካየድ ዝርአ ዘሎ። እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ትብዓት ከኣ ነዚ’ዩ ዝመስል። እዚ’ዩ እምበኣርከስ ሕጂ ነቶም ካድረ-ፖለቲካ ተቐይሮም ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ “- ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘቃልዕ ሰነዳት ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል። መኣዝኖም ስሒቶም ክርከቡ ኣገዲዱዎም ዘሎ፥ እዚ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ ኣብ በዓቲ ፖለቲካ ተሓቢኦም ዘይዝሩብ ኣብ ክንዲ ምዝራብ። እንተደኣ ሓቂ ኣልዩዎም ኣብ ነፃ መጋባእያ’ዮም ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክገጥሙዎም ዘለዎም። ባዕላቶም ከሰስቲ ባዕላቶም ከኣ ፈረድቲ ኣብ ዝኾኑሉ መጋባእያ ግና። እቶም ድሮ ኣብ መቝሕ ተታሒዞም ዝርከቡ  ዘለዉ ፓትርያርክ። ምእንቲ መሰሎም ክከላኸሉ ዘኽእሎም ሕጋዊ ባይታ ክረኽቡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን እቲ ቅድሚ 15-ዓመት፥ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ዝፈጸሙዎ  ግፍዒ። ሕጂ’ውን ንዕኡ’ዮም  ክንደግሞ ኢና ኣብ ምባል ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ ኩሉ ተዓጠቕ ተሸብሸብ ዝበሃል ዘሎ ከኣ፥ ምስ ሓደ ኣብ 93-ዓመት ዕድመ ዝርከቡ’ሞ፥ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ  ሒዞሞም  ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ’ዮም፥  ኵናት ክንገጥም ኢና ብምባል ዝውጠጡ ዘለዉ።  

ይኹን እምበር ከምቲ “-ዓሻስ ከይስተር ይግተር-” ዝበሃል ክኸውን እንተ ዘይኮይኑ። ንሳቶምሲ ትንፋሶም ውሒጦምን ድምፆም ኣጥፊኦምን ደኣ፥ ድሕሪት ከይዶም ክሕብኡ ምተገብኦም እምበር። ሕጂ ኣይትሓዙና በሃልቲ ኮይኖም፥ ኣባትር ዘወጣውጡ ኮይኖም ምርካቦም፥ እምበርዶ ኣብ ጥዕና ኣለዉ’ዮም ዘየብል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መራኸቢ-ብዙኃን።  ነቲ ፈጺሙ ክእመን ዘይክእል ዜና ጉድ እናበለ ክቀባበለሉ ዝርከብ ዘሎ። ብዝተረፈ እቲ ሕዝቢ ተረዲኡዎ ከም-ዘሎ። እቲ ብስም ሲኖዶስ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ። ናይቲ ፖለቲካዊ-ስርዓት እምበር፥ ናይ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ ዝብል ርድኢት ኣብቲ ሕዝቢ ዘይምህላዉ እዩ።

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መሠረቱ ኣትሒዞም። ንናይቲ ፖለቲካ ኢድ ምትእትታው’ዮም ክቃወሙ ጸኒሖም። መወዳእታኡ ድማ እቲ ሲኖዶስ፥ ብድፍኢት ፖለቲካ መስመር ሰጢጡ ከይሓልፍ ንምጥንቃቕ “-ብሥልጣነ-ኣብ፥ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ’ዮም-” ቃለ-ውግዘት ከቐምጡ ዝኸኣሉ። እዚ በቶም ፓትርያርክ ዝተመሓላለፈ ቃለ-ውግዘት ከኣ፥ ብዝኾነ ተኣምር ክስዕሮ ዝኽእል ኃይሊ የልቦን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፥ ነዚ ቃል ውግዘት’ዚ ተሓላሊፎም ፓትርያርክ መሪጽና ዝበሉሉ እዋን ነይሩ ‘ዩ።  እቲ ፓትርያርክነት እቲ ግና፥ ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ዝወጽእ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳደኣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ከቢድ ተነጽሎ ከስዕበሎም ከም-ዝጸንሐ’ዩ ዝፍለጥ።

እቲ መንገዲ’ቲ ዓዲ ዘየእትዎም ምዃኑ ስለ-ዝተረድኦም ግዲ ኮይኑ ድማ። ኣብቲ መንጎ ምስ መንበረ-ማርቆስ ምርድዳእ ክገብሩ ብማለት፥ ዝፈተኑዎ ፈተነ ነይሩ’ዩ። ማለት ኣባ-ሉቃስ ዝመርሑዎ ጉጅለ። ካይሮ በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፥ ምናልባት ድሕሪ ዕረፍቲ ቅዱስ-ፓትርያርክ  ሺኖዳ-3ይ። እቲ ተሪር ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቕዋም፥ ክቕየር ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ብምግባር’ዩ ዝነበረ። ንጉጅለ ኣባ-ሉቃስ ግና ዝተቐየረ ነገር ኣይጸንሖምን። የግዳስ ናይ ኤርትራ ሕጋዊ-ፓትርያርክ፥ ብጀካ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካልእ ከም-ዘፈልጥ’ዩ፥ እቲ ቅዱስ ናይ ማርቆስ መንበር መግለጺ ዝሃበ። ኣቦታት ገዳማት ኤርትራን ምሉእ ውሉደ-ክህነት’ውን፥ ኣብዚ ኣቕዋም’ዚ ተሪሩ ዝረገጸ ብምንባሩ። እቶም ጳጳሳት’ውን ከምኡ ምስ’ዚ ሓሳብ’ዚ ሠሚሮም ይርከቡ ብምንባሮም። ኣባ-ልቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝኣተዉሉ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ብመሪሕነት ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ። እቲ ናህሩ እናዓበየ ከይዱ፥ እቲ ጸቕጢ’ውን እናኃየለ ምስ መጸ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ክከላኸሎ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ ክምዕብል  ዝተራእየ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ንቁጥዓ-ማዕበል፥ ናይቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ንምዕጋስ ተባሂሉ። እቶም ክልተ ከም ቁርዲድ ደም ቤተ-ክርስቲያን ክመጽዩ ዝነበሩ። ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ውጉዝ ሃብቶም ርእሶምን፥ ብዘሕፍር ውርደት ተደፊኦም ካብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝወጹ ዝተገብረ። እዚ ማለት ግና በቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፥ በደል ተረኺቡዎም’ዩ ተባሂሉ ተኣሚኑሎም ዘይኮነ። ነቲ ዝተላዕለ ነድሪ’ቶም ገዳምውያን-ኣቦታት ንምዕጋስ። ተገዲዶም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምንባሩ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ህልው ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል’ዩ።

እቲ ምኽንያት ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ።ንበዓል-ዮፍታሔ ብወገፈ ከም-ዘሰናበቱዎም ብምምሳል። ግልብጥ ኢሎም ከኣ ካልኦት ሓደስቲ ካድረታት ፖለቲካ፥ ብሕጓ ከእትዉ ኣይምተረኸቡን። እቶም ብፖለቲካ ዝተመልመሉ ካድራት ከኣ’ዮም፥ ሕጂ’ውን ንመድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክዕንድሩሉ ዝርከቡ ዘለዉ። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመራኽቢ ብዙኃን ጉዱ ተቐሊዑ። እቲ መንበረ-ፓትርያክ ጀረናላት ዝዋስኡሉ መድረኽ ኮይኑ ክርአ ዝቐነየ። እቶም ጳጳሳት ንሓዘን ዝተቐመጡ  ክመስሉ ተጐልቢቦም ኮፍ ኢሎም ክርኣዩ ከለዉ። እቲ ናይ ሃገራዊ-ድኅነት ሓላፊ ዝኾነ ብ/ጀረናል ግና። ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሩዎ’ዩ ዝተራእየ። ልዕሊ’ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሞትን ሕልፈትን ከኣ የልቦን።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት። ከምኡ ይኸውን ኢሉ ኣብ ዘይሓሰቦን ዘይጠርጠሮን ሰዓት።ዕርቃኑ ወጺኡን ጉዱ ተቓሊዑን ስለ-ዝተረኽበ። ካብዚ ተበጊሱ’ዩ ድሮ ተዓጽዩ ተቐሚጡ ዝጸንሐ መዝገብ ገላቢጡ። ኣብቲ ሕዝቢ መጋገዪ ክኸውን ዝኽእል ስእሊ ንምዝርጋሕ እንተሓገዘ ተባሂሉ’ዩ። ኣንጻር ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ሓዲሽ ኵናት ተኸፊቱ ዝርአ ዘሎ። እዚ ሕጂ ዝኸፍቱዎ ዝደልዩ ዘለዉ ኵናት። ከዋጽኦም ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ ካብ ዝኾነ ካልእ ባዕላቶም’ውን ይፈልጡዎ እዮም። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣለዎም ዝበሃሉ’ውን ኣይኮኑን። ከምቲ “-ናይ ዕዳጋ ዕግርግርሲ፥ ንሰራቒ ይጥዕሞ-” ዝበሃል ግና። እንሆ ነቲ ሕዝቢ መኣዝኑ ከስሕቱዎ ምእንቲ፥ ነቶም ድሮ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ኣእትዮሞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ንኻልኣይ ግዜ ከነውግዞም ኢና ኣብ ምባል’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነገር ተዋቒዑዎም ስለ ዘሎ’ውን፥ ዝብሉዎን ዝገብሩዎን ክፈልጡ ዝኽእሉ ኣይመስሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፥ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ኣብ መቑሕ ይኣትዉ ከም-ዘለዉ። እቲ ካብ ዓዲ ይመጽእ ዘሎ ዜና ይሕብር’ዩ ዘሎ። ናይ ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቦታት፥ ካብቶም ብዓይኒ ጽልኢ ዝጥመቱ ኮይኖም’ዮም ዝህደኑ ዘለዉ። ድሮ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ዲያቆናት’ውን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም-ዘለዉ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ዓቕሉ ኣጽቢቡ ኣብ መወዳእታ ጫፍ ረጊጹ ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት ድማ፥ ነቲ ዘሎ ጸገም ነቲ ሕዝቢ ኣጽቢቡ ብምሓዝ ክፈትሖ እንተደለየ ዘገርም ኣይኮነን። ብዝተረፈ ከምቲ “-ጥንስቲ ንፋስ እንተኸደላስ፥ ዝሓረሰት ይመስላ-” ዝበሃል። ንርእሶም ከተዓሻሽዉ እንተ ዘይኮይኖም፥ ደጊምሲ ክታለለሎም ዝኽእል ሕዝቢ ዝረኽቡ ኣይመስለናን።

ብዝተረፈ ቁርጹ ክፈልጡ እንተደኣ ደልዮም። ሕዝቢ ተዋሕዶ “-ዘኣበዮ ለእንጦንዮስ፥ ኣበዮ ለመንፈስ-ቅዱስ-” ኣብ ዝብል ኣቕዋም ረጊጹ ደው ካብ ዝብል፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ዓቃቤ-መንበር ክንመርጽ ኢና እንተበሉ’ውን፥ ክልውጡዎ ዝኽእሉ ነገር የብሎምን። ካብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጺኦም ክኸዱ ዝደልዩ እንተ-ዘይኮይኖም። ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ቅዱስ-መንበር ክሳብ ዝሃለዉ። ብጀካ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ክህልዎም ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝተረፈ እቲ ትማሊ ንኣባ-ዲዮስቆሮስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ተፈቲኑ ዝነበረ ጸይቂ ዝኾነ ነገር። ሕጂ ድማ ክንደግሞ ኢና እንተበሉ። እቲ ብድሕሪኡ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ደኣ ክስከሙዎ የኽእሎም እምበር። ሕዝቢ ተዋሕዶስ ንሰማይ ኣቢሉ ንብዓቱ ካብ ምንጻግ ሓሊፉ፥ ምስኣቶም ኣብ ቈይቍ ክኣቱ መደብ ኮነ ሓሳብ ዘለዎ ኣይኮነን።

እቲ ዘገርም ግና ኣቡነ-ሰላማ ንበይኖም ጥራይ።  ኣብዚ ናይ ጸይቂ መኣዲ’ዚ፥ ኢደይ ሓዊሰ ኣይርከብን በሃሊ ኮይኖም ክርከቡ ከለዉ። እቶም ካልኦት ጳጳሳት ግና፥ ኣብቲ ናይ ጥፍኣት ድግስ ከሳስዩ ብክታሞም ዘረጋግጹ ኮይኖም ምርካቦም’ዩ። ነየናይ ዕድመ ክብሉ’ዮም ኮን-? መጋበርያ ፖለቲካ ብምዃን፥ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥  ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዶም ክሸጡዎ ዝደልዩ ዘለዉ-?! ብዝተረፈ ኣእምሮኦም ደንዚዙን ሕልንኦም ዓሪቡን እንተ-ዘይኮይኑ። “-ኦ ጐይታ-! ነዚ መባእ’ዚ እንታይና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ በሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን። ካህናትካ ድማ ተዋሪዶም ይበኽዩ ኣለዉዶ-” ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። ታሪኾም ዝተበላሸወ ዘሕዝኑ ጳጳሳት ኢና ንርኢ ዘሎና። ኣቡነ-ሰላማ ግና በቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፥ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ብሞሳን ሓበንን እናዘከሮም ክነብር እዩ። (መቃ. 3/50-51)

ስብሓት ለግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ብዛዕባ ኣድላይነት ሓድነት ክዝረብ ወይ ክጸሓፍ እንከሎ፥ ኩሉ ዝኣምነሉ ሓሳብ ምዃኑ ምንም ጥርጥር የለን። እቲ ሽግር ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል እምበር ነቲ ሓሳብሲ ዝነጽጎ ኣካል ፈጺሙ የለን። ነዚ ዘመልክት ኩልና፥ ብፍላይ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ፥ ነዛ “እንተሰመርና ንቕወም ወይ ደው ንብል ወይ ንጸንዕ፥ እንተተፈናጨልና ግና ረማዕ ንብል ወይ ንወድቕ” (united we stand divided we fall) እትብል ሓረግ ዘይሰምዓ ወይ ዘየንበባ ኣካል የለን።

እወ! ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ፖአልቲካዊ፡ ማሕበራውን ንግዳውን ስራሓትን፥ ዝግበር ስምረት ወይ ሓድነት ካብ በበይንኻ ኬድካ ንዕንወትትን ክሳራን ወይ ንስዕረት ካብ ምቅላዕ ዘድሕን ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ንኣድላይነት ሓድነት ካብ ማንም ንላዕሊ ዝርደኦን ዝድግፎን እዩ። ነዚ መረዳእታ ዝኾነና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ከተማ ኣስመራ ነተን ክልተ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ንምትዕራቕ ዝወሰዶ ተበግሶ ህያው ምስክር እዩ።

እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ሕምረት ተደላይነት ናይ ስምረት ወይ ሓድነት? ልክዕ እዩ፥ ሓድነት መላእ ህዝቢ ልሕሉሕ እንተኾይኑ ብቐሊሉ ክፈናጣሕን፥ እንተተፈናጢሑ ከኣ ክድቆስ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፥ ነቲ ሰሚርና ደው እንብሎ ዝኾነ ዝትንክፈና ይኹን መሰልና ዝገፍፍ ኣይክህሉን እዩ፡ ካብ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ስለዝነቅል እዩ። ብተወሳኺ  ሓድነት ናይ ትብዓት ሓይሊ ዝድርዕን፥ ሓቢርካ ብምስራሕ ተደራራቢ ዓወታት ዘጐናጽፍን ንህላዌ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ሓድነት ማለት ትብዓት፥ ምትእምማን፥ ዕቤት፥ ህልውና፥ መወዳእታ ከኣ ዓወት ዘጐናጽፍን እዩ። ስለዚ ነቲ በበይንኻ ጉያ ናብ ስዕረትን፥  ንዝኾነ ይኹን ተጻባኢ ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ሰላም፡ ምርግጋእን ፍትሕን ዝዘርግን እዩ።

ሓድነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ህዝባዊ ወይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ እምበኣር፥ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብግቡእ ዝተረድኡ  ወድባት፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዓብይ ምስክር እዩ። እዚ ውድባት እዚ ምስ መላእ ኣባላቱ  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝብል ብተግባር ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብሳር እነሆ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብስምረት ክልቲኡ ወድባት ተደምዲሙ።  ናብዚ ስምረት ንምብጻሕ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ስጉምቲ ሓድነት ዝወሰደ ውድባት፡ ነቲ ናይ ስም ይኹን ናይ መሪሕነት ጦብላሕታታት ወጊዱ፥ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን እንተኾይኑ እቲ ዕላማ ስምን መሪሕነትን ዘገድስ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ዕላማ እንተተሰማሚዕና ካብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ስለዝነቐለ እዩ ናብ ሓደነት ዝተበጽሐ።

ስምን መሪሕነትን ክቀያየር ዝከኣል ብምዃኑ ድማ ክልቲኤን ውድባት ፈጺመን ውረድ ደይብ ኣይተባህሎን። ንብድሕሪ ሕጂ እውን ውድባት ስምረት ክገብራ እንከለዋ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ካብ ምቕዳም፡ ነቲ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዘዕኩዂ መገዲ ወይ መርሆ ምሓዝ ኣገዳሲ ተመኩሮ እዩ። ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣድላይነት ሓድነት ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ ነዚ ናይ ስሓድነት ኣብነት ብዙሓት ክስዕብዎ ተስፋና ልዑል እዩ።

ኩሉ ጉዳያትና ብምርድዳ፡ ብዓሚቕ ሓልዮትን ስምምዕን ስለዝተኻየደ ሓደ ዝኸሰረ ሓደን ዝኸሰበ ዘይብሉ ናይ ሓባር ዓወትና እዩ። ምኽንያቱ ቀዳምነት ምድሓን ሃገርን ህዝብን ናብ ዝብል ቅኑዕ ጐደና ዝመርሓና ስለ ዝኾነ። እዚ መሰረታዊ ጉዳያት ኣጽኒዑ ህዝቢ ብዝማእከሉ ተጸንቢሉ ዘሎ ሓድነትና ኣብቲ እንጽበዮ ውጽኢት ንክበጽሕ ከኣ ኣብ ቅድሜና ግብራዊ ዕማም ይጽበየና ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ፡ ካብቲ በበይንኻ ምጭራሕ ወጺኡ ኣብቲ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ቀንዲ ዕላማታት ብምስምማዕ ኣብ ግብራዊ ናይ ሓባር ስጉምቲ ክኣቱ ይግባኦ ንብል።