ብዕለት 07.07.2017 እዚ ጨንፈር‘ዚ ብኣቦመንበር ጨንፈር ኣኼባ ምስ ተኸፈተ ኣብቲ ኣጀንዳታት ተኣትዩ ዘድሊ ምርድዳእ ተኻይዱሉ። ዝነበሩ ኣጀንዳታት ድማ፡ 1) ውሽጣዉ ጉዳይ ጨንፈር፡ 2) ጉዳይ ናይ 2 ዓመታዊ ጉባአ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ 3) ጉዳይ ፈስቲቫል 2019፡ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 3 ኣዋርሕ ኣኼባታትና፡ ጨንፈርና ነቲ ብሰልፊ ዝካየድ ዝነበረ ናብ ሓድነታዊ ጉባአ ዝቐርብ ናይ  ቅዋምን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ንድፍታት ንምጽራይን፡ ንመሪሕነት ሰልፊ ንዝሕጸዩን፡ ንጉባአ ዝውክሉን ኣጻርዩ ንምልኣኽመሰሉ ስራሓት ተጸሚዱ ጸኑሑ‘ዩ።

ሎሚ ድማ ኣኼበኛ ኣብ ኣኼባኡ ነዞም ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሱ 3 ኣጀንዳታት ኣልዒሉ ብምርድዳእ ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዱ። ኣብ ዕለት 22.06.2019 ዝነበረ ጉባአ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ጉባአኛ ኩሉ ጉዳያቱ ምስ ኣጻፈፈ ንንኡስ ዞባ ን2 ዓመት ዝመርሑ ሕጹያት ረቚሑ፡ ንዝበዝሐ ተሳትፎ ኣባላት ንኡስ ዞባ ኣብ ምርጫ ንምርግጋጽ ኣስማት ሕጹያት ናብ ጨናፍር ወሪዱ፡ ጨንፈርና‘ውን ኣድሚጹሉ። እዚ ንዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ናይ ኣባላት ኣብ ጉባአታት ዝግበር ንምስፍሑ ተባሂሉ ዝተገብረ ኣገባብ ድማ፡ ኩሉ ኣባል ተቐቢሉዎ ድምጽታቱ‘ውን ሂቡሉ።

20190519 164133 fffffffffff

ብድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ፈስቲቫል ተኣትዩ። ኣባላት ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ድማ ነቲ ዓመታዊ ፈስቲቫላትና “ ካባናን ብኣናን ” ዝብል ጭርሖኡ ሒዙ፡ ነዚ ፈስቲቫል ናይ 2019 እውን ከም ወትሩ ገንዘብናን ጉልበትናን ንብረትናን ኣወፊና ዕዉት ንምግባሩ ክንዕጠቕ ኢና ብምባል ኩሉ ወፈያታት ከከም ዓቕሙ ከበርክት ተመባጺዑ። ዓመታዊ ፈስቲቫላትና ድማ ግሉጽነታዊ ኣሰራርሓና ንህዝብና እነርእየሉን፡ ንህዝብናን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራትን ውድባትን ኣራኺብና ብጉዳይ ሃገርናን ኩነታት ህዝብናን ንምዝታይ እነአንግደሉን ስለ ዝኾነ፡ ዓዳሚኳ ውሱን ኣካል ይኹን‘ምበር፡ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ወይ ማሕበር ጥራሕ ጌርካ ዝውሰድ ከም ዘይኮነ ንኩላትና ብሩህ ክኸውን ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ጉባአኛ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ፈስቲቫልና ናይ 2019 የራኽበና ብምባል ኣኼባ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ዛዚሙ።

  

ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ባእታ፡ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ኩሉ ግዜ ልዕልናኡ ከይሕደግ ምስ ሰግአ እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ጨቈንቲ ስርዓታት ነፍሰ-ተኣማንነት ሰለዘይውንኑን ብግዝኣተ-ሕጊ እውን ክቕየዱ ቅሩባት ስለ ዘይኮኑ፥ ብዝሓድሮም ባህራሪ ባህሪ፥ ስልጣን ተገፈፍና ብዝብል ነታ ዝይምህዝዎ የለን።

ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ፥ መለኽቲ ስርዓታት ቅድሚኦም ዝሓለፉ መለኽቲ ብኸመይ ስልጣኖም ከምተገፉን ዕድሎም ብኸመይ ከምዝተደምደመን ክመሃሩሉን ተመኩሮ ክወስዱሉን ድሌየት የብሎምን። ጋና ሓቀኛ ባህርያቶም ከይተፈልጠ ህዝቢ ሆ እናበለ ከምዛ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክቕበሎም እንከሎ፥ ዓለም ዝጭበጡ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዖም። ነዚ ሆ ኢሉ ዝተቐበሎም ህዝቢ ድማ ተመሊሶም ሆ እናበለ ስልጣኖም ክገፍፍ ከምዝኽእል ስለዝፈልጡ፡ ከሎ ጋና ነቲ ህዝቢ ብድንቁርናን፥ ዘይትግበር ተስፋታት ብምሃብን፡ ብዓቢኡ ድማ ኣደናጋርን ግጉይን ሓበረታ ምንዛሕ ቀንዲ መሳርሒኦም ኢዩ። እዚ ማለት ግጉይን ወዲ ሰብ ክመራመረሉ ዘይክእል ዝመስልን ሓበረታ ብቓልዕ ይኹን ብታሕተታሕቲ ከም ዝዝርጋሕ ይገብሩ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ምስ እንዕዘብ፡ ካብቲ ፈለማ ግዜ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ንሓደ ሚእቲ ዓመት ዝኣክል ናጽነት ተሓሪምዎ ዝነበረ፡ ብዓቢ ፍሰሃ፡ ዳንኬራን ሳዕስዒትን እዩ ተቐቢልዎ። መወዳእትኡ ግና ከምቲ ፡”በዐራይ ነቲ ዝበልዕ ሳዕሪ እምበር ነቲ ዝጽበዮ ገደል ኣይርእዮን።” ዝበሃል ምስላ ይኸውን። ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ “ወሰዶየ እሲያስ በዓል ስረ” እናበለ ክደርፍ እንከሎ፥ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቲ ብደቆም ዝመጸት ናጽነት ብሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝመጸት ምቕራቦም፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋሁ ጽባሕ እንታይ ክስዕብ እዩ ዝብል ኣብ ኣኣመሮ ነፍሲ ወከፍ ክህሉ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ።  

ህዝቢ እምበኣር፡ በቲ ሓንሳብ ዝኣመነሉ፡ ተገሪሁ ነቲ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ዘቕርቦ ወይ ዝህቦ ተስፋታትን ግጉይ ሓበረታታትን ከምዘለዎ ከይተመራመረ ክቕበሎ ናይ ግድን እዩ። እስኪ ንህዝቢ ምድንጋር ስርዓት ጨቋኒ ስርዓት ኢሰያስ ካብ ዘቕርቦ ዝነበረን ዘሎን ግጉይ ሓበረታ ንተዓዘብ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ነቲ ሃገራዊ ሓይሊ ማለት ኩለን እተን ኣብ ደገ ዝነበራ ውድባት ጠርኒፉ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ንኸይኣቱ “ድሕሪ ደጊም ብውድባት ሓሸውየ የለን” ክብል መደረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ህዝቢ “እቶም ዝተረፉ ደቅናኸ ኣበይ ኣለዉ?” ኢሉ ንኸይሓትት ኣፍ ኣትሓዞ። ቀጺሉ ጉዳያት እናተረረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሓሙሻይ መስርዕ ዝብል ቅጽል ስም ብምውጻእን ጂሃድ ተቐላቒሎም ብምባልን ነቲ ህዝቢ  ሃገረይ ከይትጠፍእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣእተዎ። ድሒሩ ምስ ወያነ ውግእ ምስተወለተወለዐ፡ መሬት ኤርትራ ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎሜትራት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝይኤርትራዊ ሰራዊት ከምዝኣቱ ገበረ። ካብዚ ነቒሉ ዶብና ከይተሓንጸጸ ዕረቀ-ሰላም የለን እናበለ፡ ህዝቢ “ሓቁ እንዲዩ” ክሳብ ዝብል ኣእመነ። ኣብዚ ዳሕረዋይ  እዋን ድማ ምስ ምምጻእ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብቲ ናይ ቅድም ዝኾነ ሓድሽ ዘይመጸ ክንሱ፥ ነታ “ጌግ ኢዝ ኦቨር” እትብል ቃል ምስ ወርወራ፥ ግሩህ ህዝብና ድማ፥ ተቐቢሉ ርኢኹምዶ፡ ንወያነ ሳላ እቲ ጽንዓትናን፥ ሓቦናን ኣዳኺምናያ ክብል ጀመረ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ኢሰያስ ከም ዝሰዓረ ኮይኑ ዝስመዖም ግሩሃት ሃገራውያን መሊኦም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ ኣዝዩ ዘስደምም ግጉይ ሓበረታ  ክወናጨፍ ንሰምዕ ኣሎና። ንሱ ድማ ዶክተር ኣብይ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ከምዘውጸአ ኩሉ ዝፈልጡ ሓቂ ኢዩ። ኢሰያስ ሆየ ድማ፡ ብወገኑ “እሱራት ክትፈትሕ ኣሎካ” ምባሉ ዘይትተርፍ ምዃና ስለዝፈለጠ ሓደ ብልሓት ፈጠረ። ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ከኣ ከምዚ ዝብል መናፍሓት ዘርገሐ። “እሱራት ይፈትሑ ዝበሃል ቅኑዕ እኳ እንተኾነ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ዕግርግር ዝፈጥር ዘሎ ሓይሊ እቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብናጻ ዝተለቐ ገበነኛ’ዩ ዝብል ኣዝዩ ግጉይን ድሑርን መታለሊ ወረ ይነዝሕ ኣሎ።

ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሶትን ምህዞን ዘይውደኦ ኣደናጋሪ ስርዓት ኣብ ዓለም ውን ዝተራእየስ ኣይመስልን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኰይና ነዚ እኩይ  ስርዓት ንመመሳመሲ ምኽንያታቱ ዕድል ከሊእና ክንኣልዮ እንተዘይተበጊስና ንዝያዳን ዝገደደ ሓደገኛን ኣፍራስን ስጉምቲታት ከም እንቃላዕ ክንርዳእ ይግበኣና።

ከምቲ ልቃውንቲ ዝብልዎ፡”ማሕበራዊ ወግዕታት ወይ ክብርታት ናይ  ማሕበረሰብ ባህሊ ዝቐርጸሉ ወሳኒ ኣካል  እዩ። እዞም ማሕበራዊ ወግዕታት ወይ ክብርታት  ንኣጠቓላሊ መምርሕታት ዘቕርቡ እዮም። ገለ ካብዞም ክብርታት ወይ ወግዕታት፥ መሰረታዊ መሰላት፥ ሓርበኝነት፥ ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብሪ፥ ቅንዕና፥ መስዋእትነት፥ ዲሞክራሲ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ንባህርያትና ብዝተፍፈላለየ መንገዲ ወይ ኣገባብ ዝመርሑ ወይ ዝሕብሩ እዮም።”

ሓደ ማሕበረሰብ እምበኣር፡ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣምር  እንተተገናዚቡ ንሓድሕዱ ክናበብ፡ ክረዳዳእን ክተኣማመንን እወንታዊ ስምዒታት ክፈጥረሉ ይኽእል። እዚ ኣውንታዊ ስምዒታት እዚ ቅንዕና፥ ዲሞክራስን፥ ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብርን ምስዝህልዎ፥ ሓቢርካ ንምንባር ዘማዕብል እዩ። ካብዚ ነቒሉ ኣብታ ብሓባር ዝነብረላ ሃገር ሃይማኖት ይኹን ወገን ወይ ብሄር ከይፈላለየ ሃገራዊ ሓላፍነት ክስከምን ሃገርን ህዝባን ዝከላኸልን፥  ሰሚሩ ታሪኽ ዝሰርሓሉን ክሳብ ናይ መወዳእታ መስዋእትነት ንክኸፍል ድልው ይኸውን። እዚ ዝኽፈል ወጋ ድማ እዩ ነቲ ሃገራዊ ጥምረትን ሃገረይ ዝብል ስምዒትን ዘደልድል።

እዚ መስዋእትነት እዚ ሓደ ካብቶም ክብርታት ወይ ወግዕታት ዝኾነሉ ምኽንያት፥ ነታ ሃገር ኣብ ምክልኻልን፥ ንህዝባ’ውን ኣብ ምድሓንን ዝተበጀወ ጥራይ ዘይኮነ፥ እንታይ ነታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ብምልቓቕ፥ ሃገራዊ ምትእስሳርን፥ ሃገራዊ መንነትን ዘውሕስ ብምዃኑ እዩ። እዚ መስዋእትነት እዚ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን እውን እዩ።  ሃገርን ህዝብን ካሳብ ብህይወት ካብ ተወፈኻላ፥ ብህይወትካ እንከለኻ ከምኡ ኣተሓሳስባ ክህልወካ እውን ዝፈጥሮ ባህሪ ኣለዎ። ንሱ ድማ እቲ ሓርበኝነት ካብቲ እቶም ቀዳሞት ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ክብሉ ዘጥረይዎ ባህሪ፡ ነታ ሃገር ኣብ ምክልኻልን ምምዕባልን ሓላፍነት ናይ ምስካም ካብ ውሉድ ወለዶ እናተዘከሩ ኣሰሮም ክንክተል ዝሕግዘና ታሪኽን ተመኩሮን እዩ።

እዚ ወግዕታት ወይ ክብርታት’ዚ ኣብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣልዎ። ኣብ ፖለቲካዊ በዓላት፡ ከም መዓልቲ ናጽነት፥ መዓልቲ ስውኣት፥ ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ በዓላት  ልደት ፋሲካ፥ ዒድ ኣልፈጥር፥ ዒድ ኣልኣድሓ ክጥቀስ ይከኣል። እዞም ፖለትካውን ሃይማኖታውን ክብርታት እዚኦም ዝፈጠርዎ ባህሊ፥ እቲ ፖለቲካዊ በዓላት ናይ ሓባር ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ግና ናይ ግሊ ዘመልክት ይኹን እምበር፡ ሃገራውያን ባዓላት ብምዃኖም ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ሓድሕድ ዘከባብርን፥ ዘተኣሳስርን ግደ ኣለዎ። በዚ መሰረት እቲ ዕለተ ናጽነት ይኹን ነቲ ናጽነት ክውን ንምግባር ተበጅዮም ታሪኽ ገይሮም ዘውረሱና ሃገራዊ መንነት ቀንዲ ወግዕናን ክብርናን ኮይኑ፡ ነቲ ባህሊ ሓቢርካ ናይ ምዝካሮምን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝፈጥሮ ናይ ሓርበኝነትን መስዋእትነትን ስምዒት ዘለዓዕል እዩ።

ስለዚ ነቶም ዝለዓለ ምስዋእትነት ዝኸፈላን ዝኸፈሉን ክብሮም ወይ ወግዖም ገፊፍና ክንፍሕቆ ዘይከኣል እዩ። ንሰማእታት ካብቲ ናይ መስዋእትነት ክብሪ ወይ ወግዒ ክንፍሕቆ፥ ማለት ንሕሉፍ ታሪኽ ዘይምርዳእን፥ ነቲ ሃገራዊ ጅግንነትን ተመኩሮን ምኽሓድ ነቲ ዝጠምረና ሃገራዊ ስምዒት ዘቕህም እዩ። ነቲ ሰማእታትና ምእንቲ ናጽነት ዝፈጸምዎ ታሪኽና፥ ብኸመይ ከም ከምዝተመስረተን፥ እንታይ ጸገማት ወይ ሽግራት ተጻዊሩ ከም ዝሓለፈን እንድሕሪ ዘይተረዲእና፡ ነቲ ከሕብረናን ከተኣሳስረናን ዝኽእል ታሪኽ ዘመራስሕን ነቲ ኣብ ሎሚ ኰይና ጽባሕ ክንበጽሖ እንደሊ ሸቶ ዝዕንቅፍ ኢዩ ከኽውን።

ልክዕ እዩ እቲ ከቢድ መስዋእትን ነዊሕ ግዜን ዝተኸፍሎ ናጽነት ተረጋጊጹ እዩ። ነቲ ክቡር ናጽነት ዘንጸባርቕ ሰላም ቅሳነት፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ስለዘይተራእየ፡ ኣነኣኢስካ ንክረአ ግደ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ምሕዳር ግና ፈጺሙ ግጉይ እዩ። ምኽንያቱ ስውኣት  ነቲ ካብ መግዛእቲ ምልቓቕና ዝተገብረ ቃልሲ ግቡኦም ፈጺሞም ኢዮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ዋጋ መስዋእቶም ዝኾነ ሓርነት ኣይረኸብናዮን። እምበኣር ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ናጽነት ኣይኮንካ ተነኣእስ። እንታይ ደኣ ነቲ ሓርነትና መንዚዑና ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ተቓሊስካ ከተወግ ኢኻ እጽዕት። ስለዚ፥ መስዋትነት ሓደ ካብቶም ንማሕበራዊ ባህሊ ዝቐርጹን ንባህሪያትና ዝመርሑን  ወግዕታት ወይ ክብርታት ዘንጊዕካ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይከኣልን እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዙሕ ዘይቅዱስ ባህርያት ከም ዘለዎ ንሕና ንርዳእ ዝያዳ ከኣ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይፈልጥዎ። ኣዝዩ ቀናእ፡ ኣዝዩ ፈራሕን ተጠራጣርን ምዃኑ ብግብሪ ዘርኣየ እዩ። ካብኡ ዝሓሸ ዓቕሚ ናይ ዘለዎ ኣካል ሓሳብ ዝጸውር እንግደዓ የብሉን። እዚ ኩሉ ካብ ናይ ቃልሲ እግሪ ተኽሉ ዝፈልጥዎ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። እቲ ብናይ ብዙሓት ንጹሃት ደም ክሕጸብን ፈቐዳኡ ሓዊ ክኣጉድን ዘገደዶ ከኣ እዚ  ዝተጠቐሰ ዘይዕጉስን ርቡጽን ባህርያቱ እዩ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ መሕደሲ እዩ። እዚ ካብ እግረተኽሉ ጀሚሩ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ እዩ። ካብ  ሱዳን ጀሚርካ ክሳብ  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ደሓር ከኣ ምስቲ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከርእዮ ካብ ዝጸንሐ ናይ በለጽን ሕዝግድፍን ክምስምስ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። ናይ ኩሉ ናይ ክሳብ ሕጂ ዝምድናኡ መዛዘሚ ግና ዝመንጠልካ መንጢልካ ህድማን ምግዳዕን እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዝነበረ ወዛሕዛሕ ዓለም ዘገረመ ነይሩ። ብዙሓት ኣብዚ ዝምድና ገንዘቦምን ሓሳቦምን ዘውፈሩ ኣካላት ከኣ ገለን ንኢሳይያስ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ገለን ድማ ዋላ እንተፈላጥዎ ኮንደኾን እቲ ጥመትን በለጽን በልይሉ ይኸውን ብዝብል እቲ ናይ ወዲ ኣፎም/ኢሱ  ብኣጸዋውዓ መራሒ ኢትዮጵያ ሓድሽ ዕርክነት ሓቂ መሲልዎም፡ ነቲ ብደም ንጹሃት ዝሃጠረን መሰል ህዝቢ ዝጨወየን ሕሉፍ ሓሊፉ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ብ “ኣይከሰርናን” ዘነኣእስ፡  ኢሳይያስ ክሳብ “ናይ ሰላም መርኣያ” መዳልያ ምሃብ ዝበጽሑ ወገናት ነይሮም። እዞም ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወሰዱ ብዛዕባ ልኡኾም ኢሳይያስ እምበር፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡ ወይ ዘይግደሱ ወገናት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ውጹእ ጌጋ’ኳ እንተኾነ፡ ቅድሚ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓኦም ከቐድሙ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ኣይፍረዶምን እዩ።  ካብ ተመኩረኦም ኣብ ክንዲ ምምሃር እንተደጋጊመሞ ግና ፈተውቲ ዲክታቶር ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ ዝኸፍልዎ ዕዳ ከም ዝህልዎም  ክዝንግዑ ኣይግበኦምን።

ንኢሳይያስ ኣብዚ ዘለዎ ከቐጽልዎን ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ከድሕንዎ ዝደልዩ፡ ሎሚ ግና መመሊሶም ዝዳኸሙ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት፡ ንናይ  ውሱናት መንገድታት ምጽጋንን ውሱናት ከም ዕዲ ሃሎ ዝኣመሰላ፡ ናብ ህዝባዊ ተጠቃምነት ዘይተቐየራ ሓጽብታት ምስራሕን ኣጸጊዖም ከም “ኩሉ ዝከኣሎ ፍቱን” መራሒ ከቕርብዎ ዝደናደኑ የጋጥሙ እዮም። እዚ እቲ ስርዓት ካብ  ዝዝርግሖ መኸወሊ ሜላታት ሓደ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ዝተደርዐ ወጽዓን ሃገርና ሒዛቶ ዘላ ናይ ብርሰት ቁልቁለትን በዚ ዝኽወል ኣይኮነን።

ዲክታተር ኢሳይያስን ጉጅኡን፡ ነቲ ሱር ዝሰደደ ዜቤታዊ ሕመቖም ብናይ ደገደገ ተዋሰኦታት ክኽውልዎ ወርትግ ምስ ጸዓቱ እዮም። ብፍላይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ካብቲ ተሓቢአምሉ ዝነበሩ በዓትን ከመሳምስሉ ዝጸንሑ ናይ ኣይውግእ ኣይሰላምን ዓለም ነጺላትናን ኣጊዳትናን፡ ምስ ወጹ ብሃንደበት ዶባት ከፊትካ፡ ኣብ ዞባብውን ከባብያውን መድረኽ ናይ “ርኣዩና ርኣዩና” ገልታዕታዕ ጀሚሮም። ኢሳይያስ ነታ ደሓር ዝተመልሳ ዓዲ ሃሎ “ደሓን ወዓሊ“ ዝበላ ከምስል፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ጐንደር፡ ኣዋሳ፡ ጅማ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ካብ ናይሮቢ ክሳብ ጁባ ተጠውዩ ናብ ሱዕድያን ኤመረትን ኮለል ክብል ተዓዚቦም፡ ኣብዚ ካብ በጸሐስ ግዲ ኣብ ኤርትራውን ለውጢ ክህሉ እዩ ዝበሉ ደለይቲ ጽቡቕ ግና ግሩሃት ወገናት  ነይሮም እዮም። እንተኾነ እቲ መገሻታት፡ ካብ ብሱል ኤርትራዊ ክውንነት ዘይነቐለን ብናይ ካለኦት ከባብያዊ ሕሳብን ረብሓን ዝተቓነየን ስለ ዝነበረ፡ እነሆ ቁሩብ ከይሰጐመ ወዮ ዶብ ከፊትካ “ርኣዩኒ ርኣዩኒ” ናብ ዶባት ረጊጥካ “ሕብኡኒ ሕብኡኒ” ተቐይሩ። ወዮ ገያሻይን ዓራቓይን ሰብኣይ ናብታ ጉድጓዱ ተመሊሱ ኣጽቂጡ። ወዮም ነዚ ሰብኣይ ከጸባብቕዎ፡ ዘይምጥኖ መመላኽዒ ክቐባብእዎ ዝፈተኑ ወገናት እውን፡ ሓቂ እንተተዛረቡ ዝተሳዕሩ ስለ ዝመስሎም’ኳ፡ ዓው ኢሎም እንተዘይተዛረቡ “እዚ ሰብኣይ ሎምስ ኣብዚሕዎ፡ ህዝቢ ካብዚ ንላዕሊ ዝዕገሶ ኣይመስለናን” ክሳብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። እዚ እግሪ ዝተክል ዘሎ ዕግበትዚ ናብቲ ሰፊሕ ናይ “ይኣክል” ባሕሪ ዝሕወስ እምበር  ጠጠው ከምዘይብል ከኣ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ክመሓየሽ እዩ ክበሃል ዝጸንሐ ኩነታት ዘይምምሕያሹ ጥራይ ዘይኮነ፡ መሊሱ ከም ዝገደደ ኣብነታት ምዝርዛር ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ኣስጋኢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ፍልሰት ህዝቢ እንተተዓዘብና’ኳ፡ እቲ ካልእ ኣቕጣጫ ገዲፍካ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ኤርትራዊ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ተረጋጊጹ ኣሎ።  ብውልቂ ምዃኑ ተሪፉ ስድራቤታዊ መልክዕ ምሓዙ ከኣ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት ይውስኽ። እዚ ከኣ ኤርትራ ከም ሃገር ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ምጽጋን ሓጽብን መንገድን ከነልዕል እንከለና፡ ብመንጽር ህልውና ሃገር ልዕሊ ህዝቢ ዝግለጽ ኣጀንዳ የለን። ህዝቢ እንተዘየልዩ ኩሉ የለን ማለት ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ኩሉ ድሕሪ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ህዝባ መሪርዎ ይርሕርሓ ንዘሎ ኤርትራ ብዛዕባ ካልእ ጽቡቕ እንተውረናላ ትርጉም የብሉን። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ከይመለሰን ከም ብርሰት ንዝኣመሰሉ ዓበይትን ወሰንትን ኣጀንዳታት እንዳሓበአ፡ ብናይ ደገደገ ኮለል ምስሉ ከዕሪ ዝፍትን መንግስቲ ይኹን መራሒ መወዳእታኡ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ከም ዝኸውን ከኣ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ኩነታቱ ነዓናውን ዘሰክመና ሓላፍነትን ተሓታትነት ከም ዘለዎ ግና ከቶ ክንርስዕ ኣይግበኣናን።

ማንም ሕብረተሰብ ስቕ ኢሉ ክግፋዕ ይኹን ወይ ዘምነሉ ነገር ሸለል ኢሉ ከምዘይሕልፍ ኩልና ንርደኦ ኢዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድኹም እንተኾይኑ’ሞ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ጭቆና ይኹን ጽልኢ ወይ ምግላል ፈጺሙ  ኣይጻወሮን። ምኽንያቱ ካብቲ ይዕብልለኒ ወይ የግልለኒ ኣሎ ዝብሎ  ኣካል ሓልዮት ይኹን ፍትሓውነት ስለዘየርኣየ።

ደቂ ሰባት ካብቲ ባህሪያዊ ተፈጥሮ ባህርና  ኩልና ሓደ ከምዘይኮና ብሩህ እዩ። ሓደ ባህሪ ከምዘይንውንን እናፈለጥና ግን ኣብ ክንዲ ምምሕያሹን፡ ዘሎና ናይ ሕድሕድ ርክባት ምምዕባልን፡ ኣብ “መን ከማይ” ገጽና ንስጉም። እዚ ከኣ፡ ምስቲ ከባብያዊ ክወሃሃድ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ዓቢ ፍልልያት ይፈጥር። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት እንተተዓዚብና ወይ ሓደ እዩ፥ እንተዘይኮነ ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ንጽልእን ቅርሕንትን ቂምታን ይቕረ ብምባል ክሕለፍ እዩ ዘምህር። ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት፡ ተፋቐሩ እምበር ተቓተሉ ኢሉ ኣይምህርን እዩ። ሕልናና ግን ብተንኮልን ስሰዐን ስለዝተላበዐ   ንሰባት ክጸሉ ዝኽእል ጥበብ ወይ ኣብ ሃይማኖት፥ ወይ ኣብ ዓሌት፥ ወይ ድማ ኣብ እንዳ  ተመርኲስካ፡ ሰዓብቲ ናይ ምፍጣር ኣመሳሚስና  ንረብሓና ክንጥቀመሉ ህርድግ ንብል።

ኣብ ከምዚ እዋን እዚ እስላም ኣንጻር ክርስቲያን፥ ክርስትያን ኣንጻር ኣስላም ከምኡ እናበለ ክሳብ ኣብ ዓለታትን፥ ብሄራትን ወዘተ ፍልልያት ንምፍጣር ይቕጽል። ካብዚ ዝነቐለ እዩ ድማ እቲ  ኣነስ ካብ መን ሓሚቐ ዝብል ኒሕ ስለ ዝዕብልል ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ደይቡ ክሳብ ኣብ ደም ምፍሳስ እውን ይበጽሕ። ከምቲ ኣቦታትና ዘዘንተውልና፡ ኣብ ኤርትራ፥ ኣስላምን ክርስትያንን ንኸባእስ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ዘይፈጠሮ ነገር ኣይነበረን። ዋላ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ እውን እንተኾነ እዞም ኣስላም ናብ ዓረብ ክሸጡኹም፥ ሃይማኖትኩምን ባህልኹምን ከጥፍኡልኩም እናተባህለ ይስበኽ ነይሩ እዩ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩን ምስቲ ብዘይጠቅም ፍልልያት ማለት ኣብ ናይ መገሃጫ፥ ኣብ ዋንነት መሬትን ካልእ ናእሽቱ ነገራትን ዝነበሩ ናይ መቀራሓኒ ጠንቅታት ገዲፍና፡ እቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ስልቲ  ዘምጽኦ መዘዝ፥ ናብ ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማንን፡ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ዘህስስ ኣሰራት ገዲፉልና ኣሎ።

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ሚእቲ ዓመታት መግዛእቲ ዝተወርሰ ሽግራትን ኣሉታዊ ኣሰራትን ስምብራትን እንተሎና፥ እቲ ሃገርና ረኺብና ብሓባር ተኸባቢርና እንነበረሉ ሃዋህው ከይነስተማቕር ድማ፡ እዚ ጨቋንን ወጻዕን ሰይጣናዊ ስርዓት ኣጓኒፉና። ኣብ ግርጭት ከየእተወና እንከሎ፡ ብቕንዕና ተበጊስና፡ ብክፉት ልቢ ንፍቕርን ሕውነትን፡ ብዝዕድም ኣተሓሳስባ ተገዚእና፡ ነቲ ሽግራት መጽናዕቲ ክንግበሩሉ ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ጽልኢ ሓደ ናብ ጎነጽ ዘምርሕን ንክብሪ ወደስብ ዝሃስን ተግባር እዩ ዘምርሕ። ነዚ ንምትግባር ድማ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ናብቲ ነቲ ጽልኢ ዘራጉድ መሳርሒ ኣብ ምምሃዝ እዩ ዝያዳ ዝነጥፍ። እንሆ ድማ ዓለምና ኣብ መን ዓብለለ ቅሩቁሳት ተዋሒጣ ናብ ናይ ፍልልይን ግርጭታትን ገጻ ትጎዓዝ ኣላ። ኣብ ክንዲ ስልጣነን ምዕባሌን ሕብረተሰብ፡ ናብ ሰላም ዘምርሕ፡ ናብ ሰብ ዘጥፍእ ቦምብታት ወይ ኣጽዋር  እዩ ዝምዕብል ዘሎ። ጽልኢ ንምፍጣር  ዝግበር ጐስጓሳት እምበኣር ቅኑዕን ኣኽብሮት ዘለዎ ፖለቲካዊ ባህሊ ክነጥሪ ዝዕንቅጸና እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ናይ ምትሕብባር፡ ምትሕልላይን ምድንጋጽን ባህሊ ነጥሪ፥ ብሃይማኖት፥ ብብሄር፥ ወዘተ ስለ እንፈላለ ጥራሕ ኣብ ቅርሕንትን ጽልእን ገጽና ነድህብ ኣሎና። እቲ ኮነ ኢልካ ዝዝራእ ጽልኢ እኹል ሓበረታ ዘይምውናንን፥ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ተገዳስነት ዘይምህላውን ዘርኢ ምልክት ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያንከ በቲ ንጽልእን ምፍልላይን ዘመልክት ዲና ክንልለ ዝግበኣና ወይስ ኣይፋልናን? እዚ ማለት ፍልልይ ሃይማኖት ወይ ብሄር ዲና ክነቐድም ወይስ እታ ንኹልና ብማዕረ እትብጸሓና ሃገር? ከምዝመስለኒ ክንምዝገብ ከሎና ዜግነትካ ክበሃል እንከሎ እስላም፥ ተዋህዶ፥ ካቶሊክ፥ ከኒሻ ወዘተ ዝብል ሰብ የለን። ከምኡ እውን ኣነ መንነተይ ወይ ዜግነተይ ሰንሒት፥ ሓማሴን፥ ባርካ ወዘተ ዝብል ኣይርከብን፥ እንታይ ደኣ ኤርትራዊ ኢዩ ዝብል። ካብዚ ብምንቃል እታ ንኹልና ብማዕረ እትሓቛቑፈና ብኣደ እትምሰል፡ እታ ሃገር እምበር ሃይማኖት ወይ ብሄር፡ ወይ ኣውራጃ ወይ ዓሌት ኣይኮነን። ስለምንታይ ደኣ ነቲ ነናይ ውልቃዊ መቦቆላዊ መንነት ኣብ ክንዲ መጻልኢ፡ ከም ናይ ብዙሕነት ጸጋ ምቕባል፥  ነቲ ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓና ክነቐድም ዝግበኣና ኣብ ጽልእን ምፍልላይን ንጥሕል? ስለዚ ኣብ ክንድኡ ጽልእን ቅርሕንት ዝውገደሉ ሓሳብን ግብርን ዝስነዮ ሓቛፊ ባህሊ ክነጥሪ ዘይንጽዕር።

ብዕለት  22-06-2019 ዓ.ም. ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዝቕመጣ  ግድሳት ደቂ ኣንስትዮ ኣደታትን ፣  ኣሓትን  ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ጨንፈር  ጀርመን ብዘዳለውዎ ናይ ድራር ምስዮት፡ ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንራህዋን ሓርነትን ኣካላቶም ዘበጀዉን፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መደበር ሓርነት ከሰላ ሱዳን ዝነበሩ ኣባላት ውጉእት ሓርነትን፡ ከምኡውን  ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያንን ንምሕጋዝ ኣብ ኣዳራሽ  Saalbau Gallus Frankenallee 111   60326  Frankfurt a.M. ዕዉት ድራር ምስዮት ተኻይዱ።

ኣብዚ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ብኣካልን  ብትሕዝቶን  ዘይፍለይዎ  ዕድመኛታት ተረኺቦም፣  እቲ ልሙድ ሕልናዊ ስምዒቶምን ልግሶምን ውሁብ ኰይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ በብእዋኑ ዝግበር ሰናይ ተግባር ፡ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓባር ኰንካ ጉዳይ ማሕበርን ካልእ ሕብረተ-ሰብኣዊ ዝምድናታት ዘራጉድን  ዓቢ ተደራቢ ዓወት ዝኾነ  ምስዮት እውን ኢዩ።

እዋኑ ብዋዛ ምስ ቁምነገር  ዝሓዘለ  ፍሕሽዊ ምሸት ድሕሪ ምምሳይ  ዕድመኛታት  ብርኩት ዝኾነ  ኣስተዋጽኤኦም ብምግባር  1428.00 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲን ዕስራን ሾመንተን ኤውሮ) ከም ዘበርከቱ በዚ ኣጋጣሚ  ከነበስር ንፈቱ።                                        ዕድመኛታት  ንግዱሳት ኣሓት ነቲ ዘይሕለል ሰናይ ጸዓተንን  ልግሰንን  ዘዳለወኦ  ምኡዝን   እኹል ትሩፍን   ሽሻየን  ኣመስጊኖምን  ኣተባቢዖምን።

ኣብ  ርእሲዚ ኣብዚ ብምኽንያት  ስራሕን  ካልእ ኣገዳሲ ዋኒኖምን ዘይተረኽቡ  ዕዱማት ኣሕዋትን  ኣሓትን  ኣስተዋጽኦኦም ብባንክ  ኣቢሎም  ክሰዱ ምዃኖም ድማ ንሕብር።

ካብ ዕለት 14-16 ሰነ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ካብ ዝተፈላለያ ድሕረ-ባይታን ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጻ ወከልትን ውልቀ-ሰባት ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያንን በርጌሳውያን ውድባትን ተጣበቅታ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን ዘሳተፈ ብዝክሪ ስማእታትት ተክፊቱ  ከምእውን እታ ቀዳመይቲ ማዕጺ ዝከፈተትልና ንድሑር ባህላዊ ማሕለካ ዝስዓረት ኣነ ንህዝበይን ንሃገረይ ዝበለት ናይ መጀመርያ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዝተሳተፈት ኣርእያ ደቂ-ኣንስትዮ ዝኮነት ወዘሮ ጀምዓ ዑመር  ብመንፈስን ምስልን ብክብሪ ናይዚ መዓልትታት  ኣሰናይት ኮይና  ዕዉት ዝኮነ  ጉባኤ ተኻይዱ።  

STATEMENT 1

ኣብዚ ንምዝካር ዝኣክል፡ እዚ ጉባኤ`ዚ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ፡ ኣብ መስርሕ ምድላዉ ናይ ሓደ ዓመት ዕቱብ ጻዕርታት ዝተገበረሉ፡ ብመሰረት ድሕሪ`ቲ ዓሚ ብተበግሶ ደቂኣንስትዮ ኣብ ከተማ ዴንሃክ-ሆላንድ ኣብ ቅድሚ መደበረ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ኣውሮጳ ዝገብርኦ ኮንፍረንስ ዝወሰኖ መደባትን መምረሒታት ዝተጋበአ`ዩ።

STATEMENT 2

ስለዚ ጐባኤና ንኩሉ`ቲ ንሃገርና ኣካቢብዎ ዝርከብ ፈታኒ ኩነታትን ምዕባሌታቱን ብሓፈሽኡ ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብፍላይ ብዝምልከት ሰፊሕን ዕቱብን ክትዓት ድሕሪ ምክያድ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ንዕድመ እቲ ኣብ ሕቆ ህዝብና ተጻዒኑ ዝርከብ ሕጊ-ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻርን፡ ዲምክራስያውን ፍትሕውን ባህግታትን ረብሓታትን ህዝብና ንምርግጋጽን ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ዘውሕስ ለውጢ ንምምትእታትው ሓድነትን ኣድማዕንትን ደንበ ፍትሒ ንምድንፋዕን ከቀላጥፍ ዝኽእል ወሳኒ እስትራተጂካዊ መዳባትን ዕማማትን ኣጽዲቁ።  ብተወሳኺ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ብፍላይ ዘፍጽሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣስካሕካሒ ናይ ወጽዓን ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምቅላሕን ንምቅላዕን፡ ደቂኣንስትዮ ኣድማዒ ኣካል ናይ`ቲ ሓርነትን ማዕርነትን ፍትሕን ኣግዕዞን ሰብእዊ መሰላትን ዝጣበቅ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ንምዃንን ዕዙዝ ምሕዝነት ንምፍጣር ወሲኑ።

STATEMENT 3

ጐባኤና ኣብ ክሊ ምስልሳል ኣጀንደታቱ፡  ኣብ መጻኢ ምእንቲ ዓቅምታትና ጠርኒፍና ኣድማዒ ቃልሲ ንምክያድ `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ` ንምምስራት ሓባርዊ ስምምዕ ክንበጽሕ ምኽኣልና፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝተናወሐ መስርሕ ሃገራዊ ቃልስ ህዝብና ዘጥረየኦ ሃብታም ተመክሮን ንቅሓትን ዘንጸባርቕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ዑና ምልካዊ ስርዓት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ሓርነታዊ ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮን ሰብኣዊ መሰላት ምርግጋጽ ጽኑዕ እምነት ሱር ዝሰደደን ኣብ ርእሰ-ምትእምማን ተሳተፍቲ መሰረት ዝገበረ ኣብ መስርሕ ጥርናፈን ሕድነትን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣወንታዊ ባይታ ዝፈጠረ ስጉምቲ እዩ።  ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ ኩሉ`ቲ ኣብ መስርሕ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ናይ ምድላው ተመክሮን ዝተዋህለለ ናይ ጽንዓትን ባህሊ ሓባራዊ ስራሕ፡ ብርግጽ ኣብ መጻኢ ንሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብፍላይ፡ ንሰላማውን ፍትሓውን ዲምክራስያውን ባህግታትን ረብሓታትን ህዝብና ብሓፈሽኡ ንምርጋግጽ ኣብ ኣፈጻጽማ ግብራዊ ኣሰራርሓና ዝጽበየና ተጻብኦታት ብንቅሓትን ብቅዓትን ንምምካት ዘብቀዕና ዓቢ ትምህርቲ ነይሩ።

ወይዘሮ ፋጥና ሙሳ ንድለታት ባህግታትን ደቂኣንስትዮ ዝያዳ ዘዔሙቅን ንብዙሕነትና ዘስተማቅር ዘቅረበቶ ኣስተምህሮ ተወሳኪ ንረብሕን ማዕርነት ብከመይ ነስንዮ ዝኣመተ ኮይኑ ንጉባኤና ድምቀት ዝሃበ ነበረ ።  

ኣብ መደመደምታ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንኩሉን እተን ብኣካል ይኹን ብሞራል ንመስርሕ ምስንዳእ ጐባኤና ክውን ዝገበራ ኣሓት ብሓባር፡ ብፍላይ ከኣ ብውህደትን ምጽውዋርን ደኺምና ከይበላ ክሳብ ኣኼባና ዝጋባእ መድረኽ ክጸንሓ ዝጸነሓ ኣባላት ኣዋሃሃዲት ሽማገለን ኣባላት ማሕበር ደቂኣንስትዮ ጀርመንን ከይተሓለላ  ብስእልን ቪዲዮ ዝስነደቶ ከምኡውን ምትርጛምን  ብዝገበርኦ ዝነኣድ ኣብነታዊ ተወፈይነት ከይተዘከረ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣድማዒ ኣስተዋጽኦ`ዩ። ከምኡ`ውን ኣብ መጻኢ ንዕማምት ውህደት ድቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ተግባር እተሰላስል ብክልተ ኣባላት ወከልቲ ነፍስ-ውከፍ ኣባላት ማሕበራት ዝቆመት ኣካያዲት ኣካል ንምምስራት ተወሲኑ።  ብተወሳኺ ጐባኤና ኣባልነት `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ` ንኩለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ውልቀ-ስባት ክፉት ምዃኑ ከምዝወሰነ ክንሕብር ንፈቱ።

ቃልስና ንሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ`ዩ!!

ውህደትና ውሕስነት ዓወትና`ዩ!!

ዕለት 16 ሰነ 2019

بيان ائتلاف المرأة الارترية

 

                                                                              عقدت فى مدنية فرانكوفرت من الفترة 14-16 يونيو 2019م مؤتمراً ناجحاً شاركت فيه مناديب الجمعيات النسائية الارترية والنسوة الافراد ومنظمات مدنية وحقوق الانسان من مختلف الخلفيات فى اوروبا.

وفى هذا السياق لا بد لنا من ذكر بان هذا مؤتمرنا لم يكن وليد الصدفة بل انما هو اجتماعا جاء تحصيل حاصل لاعداد مكثفة اخذ سنة كاملة وتنفيذا لبرامج وقرارات الكنفرنس الذى عقد قبل عام عقب المظاهرة التى قامت بمبادرة من منظمات نسائية فى اوروبا فى مدينة لاهاى     –هولندا مقر المحكمة الدولية.

STATEMENT 4

ولذا توقف مؤتمرنا طويلا امام الاوضاع الراهنة وتدعياتها الخطيرة المحدقة بوطننا عامة وانعكاستها السلبية على كافة نضالات المرأة من اجل التحرير والمساواة والانعتاق خاصة حيث وبعد مناقشات تفاصيلية تتصل بعادها تبنى برامج وقرارات استراتيجية هام مفادها تعجيل اسقاط نظام هقدف الدكتاتورى الغير شرعى الرابد على صدور شعبنا المثابر التى بالنتجية نستطيع تجسيد سياسات التغيييرات بهدف تحقيق تطلعات وطموحات شعبنا فى الديمقراطية والعدالة هذا بالاضافة الى تبنى مفاهيم تشكل ضمانات فى تأمين الحرية والمساواة والانعتاق للمرأة الارترية الامر الذى يتطلب معه بالضرورة توحيد وتفعيل قوى التغيير والعدالة للاصضلاع بمهمتها التاريخية.  كما قرر مؤتمرنا  من اجل كشف وتعريت الممارسات القمعية الاستبدادية وانتهاكات الصارخة لحقوق الانسان التى يتركبتها النظام الدكتاتورى بحق شعبنا بوجه عام والمرأة المرأة على وجه الخصوص ان نكون جزء فعالا وخلق علاقات وطيدة مع الحركة العالمية المدافعة للحرية والمساواة والانعتاق والعدالة وحقوق الانسان.  

STATEMENT 5

وفى خضم سير اعمال مؤتمرنا لن يعود الفضل الى التجارب الغنية والوعى الذى اكتسبته المرأة الارترية طيلة فترة مسيرة نضال شعبنا فحسب بل ايماننا القوى المتجذر فى قناعاتنا الراسخة فى حتمية تحقيق الديمقراطية والعدالة على انقاض النظام الدكتاتورى كانت تشكل الدوافع التى شحذت هممنا نحو تفعيل دورنا وتوحيد صفوفنا من اجل التوصل الى اتفاق لاقامة "ائتلاف المرأة الارترية" الذى لا رييب فيه سيشكل ارضية ايجابية فى المستقبل نحو مزيد من التعاضد وتوحيد صفوف الجمعيات النسائية المختلفة.  

وانظلاقا من هذه الحقيقة اخذين فى الاعتبار تجارب ثقافة العمل المشتركة الذى اكتسبناه خلال سنة كاملة فى عملية التحضير لمؤتمرنا هذا باعتبارها دروس مستفادة سيكون لها بالتأكيد فى المستقبل تأثير ملحوظ للقيام على وجه الاكمل على الصعيد التطبيق العملى بوعى واقتدار عاليين فى تسريع وتيرة نضالات المرأة الارترية من اجل التحرير والمساواة والانعتاق خاصة ونضال شعبنا فى تحقيق تطلعاته وطموحاته فى الديمقراطية والعدالة والسلام. 

                  STATEMENT 6

هذا  فى الختام  نشيد بجميع الاخوات المشاركات على العصيدين العملى والمعنوى فى انجاز عملية التحضير وجعل انعقاد مؤتمرنا ممكناً ولا سيما  اعضاء لجنة التنسيق على المثابرة والصبر والتفانى والدور الذى بكل المقياس يعتبر المثال الاعلى الذى يحتزى به فضلا عن الاخوات عضوية الجمعية النسائية الارترية فى المانية .  واخير وليس أخراً فى الوقت الذى نؤكد فيه قرر المؤتمر تكليف هيئة تنسيقية تتألف من عضوين لكل الجمعيات التى شاركت فى المؤتمر كما بهذه المناسبة نود التنوية بان باب االعضوية مفتوح امام جميع الجمعيات النسائية والنسوة الافراد للانتماء الى ائتلاف المرأة الارترية .                                                    

                                                                                         نضالنا هو من اجل التحرير والمساواة والانعتاق

                                                                   ائتلافنا هو ضمان انتصارنا

                                                                 16 يونيو 2019

 

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሕፍረቱ ቀንጢጡ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ  ክኣትዎ ዝጸንሐ መብጸዓታት ዓጺፉ፡ ምስ ካለኦት ዞባዊ ለኣኽቱ ውሽጠውሽጢ ውዲት ክኣለም ጸኒሑ፡ ዕባራ መመሳመሲ ሓረጋት ጠቒሱ፡ “ልኡኽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንሰድድ ኢና” ካብ ዝብል እነሆ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል ዓመቱ ኮይኑ። ናቱ ገዲፉ ኣብ እንዳማቱ ሃንደፍደፍ ክብል፡ ካብ ግጉይ፡ ስምዒታውን ዘይተጸንዐን ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝመስል  ህልኽ ነቒሉ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ካብ ዝብል እውን  እነሆ ከምኡ ሓደ  ዓመት መሊኡ። እቲ ናይ ሽዑ ሸብዳዕዳዕን ሸንዳሕዳሕን ግና ምስ ናይ ሎሚ ህልዊ ኰናታት ናይቲ መገሻታት ዘሳኒ ኣይመስልን። ነቲ ዘይምስናይ ዝወለዶ ከኣ ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና መላኺ  ግጉይ ናይ ዝምድና ቅዲ እዩ። እዚ ጌጋ ንኢሳይያስ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ ኣስተብህሉ።

እቲ ኢሳይያስ ዓይኑ ተዓሚቱ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ፡ ክትሰምዮ ዘጸግም ወደኽደኽ፡ ኣብቲ እዋኑ ንብዙሓት ወገናት ኣጋግዩን ኣዛሪቡን እዩ። ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ መንግስታትን እውን ከም ዓብይ ኣጀንዳ ወሲደምዎ ነይሮም። ክሳብ ክንድኡ ተገዳስነት ናይ ምሃቦም ምስጢር ከኣ ኢሳይያስ ብኡ ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳዩ’ውን  “ዓይኑ ከንቁሕ እዩ”፡  ዝብል ግምት ስለ ዝነበሮም እዮም። እቶም ከምኡ ዝገመቱ ኢሳይያስ ንሓዋሩ ቅኑዕ ሓሳብ ዘየፈልፍል ምድረበዳ ኣእምሮ ዘለዎ ምዃኑ ዘይተገንዘቡ እዮም። ንሕና እቶም ብጨካን፡ ተበላጽን ጸረ-ህዝብን ተግባራቱ ፈሊሕና ዝገረርና ኤርትራውያን ግና፡ ካብኡ ሓድሽ ኣይተጸበናን። እነሆ ከኣ ክሳብ ሕጂ እቲ ብተመኩሮ ዝሃብተመ ግምት ኤርትራውያን ስዒሩ፡ ኢሳይያስ ካብቲ ዝኣተዎ መጻወድያ መውጽኢ ስኢኑ  ይሕመስን የውጠጥን’ሎ።

እዚ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ፡  መኽሰቡን ክሳርኡን ክግምገም ግድን ስለ ዝኾነ፡ ናይ መኽሰብን ክሳራን ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ካብዚ ናይ ሓደ ዓመት መስርሕ መኽሰብ ወይ ክሳራ ዝካፈሉ ቀንዲ ተዋሳእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን እዮም። ብሚዛና ብኽልተ ምኽንያታት ህዝቢ ኤርትራ ከሲቡ እምበር ኣይከሰረን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተወሰነ ግዜ ብምኽፋቱ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝነበረ ቤተሰቡ ተራኺቡ፡ ንውሱን ግዜ ከኣ ካብቲ ዝጸንሖ ህልም ዝበለ ስእነትን ሕጽረትን መሰረታዊ  ቀረባት ቁሩባትን ኣገልግሎታትን ትንፋስ ረኺቡ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ነቲ መዕሸዊ መንነትን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ናይቲ ዲክታተር ጋሊሁ፡ ሓቀኛ መንነቱ ክርዳእ ክኢሉ። ኢሳይያስ ተጠሊዑ እሞ ከኣ ደግጋጊሙ “ዶ/ር ኣብይ  ይምረሓና፥ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጥዎ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ቀያድን ናይ መወዳእታ ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ዘልዕሉ ወገናት ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ኣካላት እዮም፡ ኣይከሰርናን ……. ወዘተ “ ዝበሎም ሓረጋት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መን ከም ዝጸንሐን ምስ መን ከምዘሎን ዝተረደኣሎም ኣበሃህላታት እዮም። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መን ኮይኑ ኣንጻር መን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ዘረድእ ሓበሬታ ምርካቡ ካልእ ሳላ ኢሳይያስ ተደፋፊኡ ኣብዚ ዘየርበሖ ባሕሪ ምጥሓሉ ዝረኸቦ መኽሰብ እዩ። እነሆ ከኣ ሳላዚ መረዳእታ ናብ ናይ “ይኣክል” ምዕራፍ ተሰጋጊሩ።

ኢሳይያስ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ንዛረበሉ ዘለና ግዜ፡ ብክሳራን ውርደትን እዩ ኣሕሊፍዎ። ወዮ ተኸዊልሉን “ሓርበኛን ሃገራውን” ዝብል ቅጽል ረኺብሉን ዝነበረ ህሞት ፈሪስዎ’ዩ። ክልተሻብ ተራእዩ፡ እሙን ኤርትራዊ ሓርበኛ ዘይኮነ፡ ብሃገራውነት ተኸዊሉ ብልኡላውነት ክዋገ ዝጸንሐ   ጉሒላ ምዃኑ ተቓሊዑ። ነዚ ጉዱ ንምሕባእ ናብቲ ዝለመዶ በዓቱ ተመሊሱ ሓድሽ መዕሸዊ ምስሊ ዝሕዘሉ ዕድል ደጊም የብሉን። ኢሳይያስ ነዚ ሰፍ ዘይብል ክሳራኡ ምስተረደአ ዝፈተኖ ህድማ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ነቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኤርትራ ምስ ትግራይን ዓፋርን ዓጽይዎ። እንተኾነ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝበሃል፡ እዚ ዘይተጸንዐ ምኽፋትን ምዕጻውን ካብቲ ክሳራን ወጥርን ዘድሕኖ ኣይኮነን። ሕሳቡ ንምትዕርርራይ፡ ምስ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ዓጽዩ ምስ ሱዳን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ክኸፍት ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። እዚ ግና ነቲ ክሳርኡ መሊሱ ዝድርዕ እምበር ዘኽስቦ ኣይክኸውንን’ዩ።

እዚ ነዚ ዲክታቶር ኣጋጢምዎ ዘሎ ወጥርን ክሳራን፡ ጉዳያት ካብ ስምዒት ወጺእካ፡ ኣገናዚብካን ንህዝቢ ከይዓመጽካን እንተዘይሒዝካዮ ንመኽሰብ ዝበልካዮ ንክሳራ ክኸውን ንቡር እዩ።  ኢሳይያስ ሓደ ጉዳይ ከጋጥሞ እንከሎ ብኻልኦት ምምስማስን ምምኽናይን ልማዱ ብምዃኑ ነዚ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ ዘዕለብጦ ዘሎ ሃለዋት ናብ ካለኦት ከም ዘላግቦ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝሰልበጦ፡ ንኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ድዩ ወይስ ንበዓል ሳዑዲ ዓረብያ ከኣ ኣብ መስርሕ እንርእዮ ክኸውን እዩ። “እገዳን ካብ ዓለም ተነጽሎን” ግና ደጊም መህደሚ ኣይኮናን እየን። ኢሳይያስ ዘይምጥኖ ምስሊ ሒዙ፡ ኣብ ዞባና ጐብለል ክኽውን ሕልሚ ከም ዝነበሮ፡ ኣብቲ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ፍታሕ ኩርኩር ኮይንሉ ዝነበረ ግዜ፡ ናብ ኬንያ፥ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን ብዓብይኡ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ዘይምዕሩግ መገሻ ተዓዚብናዮ። እንተኾነ  ሰላምን ርግኣትን ዘይበቑሎ ንቑጽ እግሪ ስለ ዝኾነ፡ እተን ዝረገጸን ሃገራት ካብቲ ዝነበረኦ ገዲድወን እምበር ኣይቀሰናን። ኮነ ኢሉ’ውን ሓዊ ኣጒዱለን ይኸውን። እዚ ምስ ህዝቡ ሰላም ዘየብሉ ንካለኦት ሰላም ከምጽእ ከምዘይክእል ዘረድእ ተመኩሮ እዩ።

ደጊም ኢሳይያስ ኣሚኑ ዝረግጾ ባይታን ዓው ኢሉ ዝዛረቦ ቃልን የብሉን። ኣብ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራን 20 ሰነ  መዓልቲ ሰማእታትን ዘስመዖ ህዉጽ መደረታት ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዕዳግኡ ወዲቑ እዩ። ድሕሪዚ ክሓስበሉ ዝግበኦ እምበኣር ናይ ውልቁ መዋጸኦ ሃሰው ምባል ጥራይ እዩ።

እቲ ዓብይ ቁምነገር፡ ንሕናውን ብዛዕባኡ ክንዛረብ ጉዳይና ከይንርስዕ ነስተብህል። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ንኢሳይያስን ጉጅለኡን ዛንዛን ኣቢልናዮም ኣለና። እንተኾነ ናይ ኢሳይያስ ክሳራ ናይ ቃልስና ሜዳ ዘህብትምን ዘስፍሕን እምበር፡ በይኑ ዓወት ከምዘይኮነ ኣይንዘንግዕ።

ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ስውኣት እንዝክረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፥ ክሳብ ብቕዋም ትፈርስ ወይ ትጸድቕ፡ ክነብዕላ ታሪኻዊ ግደታ ኣሎና። ምእንቲ እዛ ሃገር ብውሑድ ክሳራ ናጽነት ክንጎናጸፍ ዝነበረና ተኽእሎ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕንገዳ፡ በሽሓት መንእሰያት ከሲርና። እዚ ሰኣን ስምምዕ  ህይወት ሰብ ብኸንቱ ኣጥፊኢካ ኣይከሰርናን ብዝብል ክትድምድሞ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።

ስርዓት ኢሰይያስን፡ ብደገን ብውሽጥን ዘለዉ ተሓባበርቱን፡ በቲ ዝተረኽበ ናጽነት፥ ንመንእሰይ ኤርትራ ዘማዕብልን፥ ምስ ናይ ዓለም መንእሰያት ብምህዞ ይኹን ብሞያ ንኸይወዳደርን፡ ንሃገሩ ከይሃንጽን ጂሆ ሒዞሞ ኣለዉ። ንኸጽንትዎ ድማ ብስም ሃገር ወይ ዶብ ኣመሳሚሶም ዘይፈጠርዎን ዘይገበርዎን የለን። ኢሰይያስ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣረመናዊ ተግባራት ክዋፈር ግን፡ በይኑ ዘይኮነስ እንተላይ እቶም ዓገብ ክብሉ ዝግበኦም ኣባላት ባይቶ ነበር ከይተረፉ ኣብ ምጥፋእ እዚ መንእሰይ እጃም ኣለዎም።

ስርዓት ህግዲፍ፥ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ንምኽላእ ምስ መን ዘይተተናኸፈን ዘይተናኸስን። ምስ የመን ብሰንኪ ይግባኣኒ ኢልካ ኣብ መጋባኣያ ዓለም  ዘይምቕራብ፥ ብሓይሊ ክፈትሕ፡ ውግእ ከፊቱ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ተጋደልቲ ተመልዒሶም። እቲ መንቀሊ ግርጭት ዝነበረ መሬት ግና፡ ንየመን ተፈሪዱ ከሲርናዶ ኣይከሰርናን። ቀጺሉ ምስ ጂቡቲ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ዝምልከት እውን ተዃቲኹ ውግእ ብምኽፋት ቁጽሮም ዘይፍለጥ ተጋደልቲ ሓሊፎም። ኣብዚ እውን  ሰላም ዘይተረኽቦ መሬት ንመኖም ከምዝውሰን ጌና ኣይተፈልጠን። ከምኡ እውን ምስታ ሓብሓቢት ሰውራ ኤርትራን መዕቆቢት ኤርትራዊ ስደተኛን ህዝብን ዝነበረት ሱዳን ውን ክንደይ ዘይፈተነ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ምስታ ትማሊ ንሃገራዊ ሓይሊ ንምድምሳስ መሻርኽቱ ዝነበረት ወያነ እትምራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ውግእ ኣተወ። ኣብዚ’ውን ልዕሊ ዓሰርተ ትሻዕተ ሺሕ ዝተቐዝፉ ደቅና፥ ባድመ እኳ ንኤርትራ እንተተፈርደት ክሳብ ሎሚ እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኣይተተግበረን።

ብሰንኪ እዚ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ድማ፡ እቲ ስርዓት መፍቶቱ ረኺቡ፥ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ከይትከል፥ መንእሰያት ተማሂሮም ንቡር ከይፍትኑ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዓፊኑ ንኽሕዝ  ዓቢ ዕድል ሂብዎ። ንህዝቢ ኣጥሚዩ፥ መንእሰያት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ዝወጠኖ ተንኮል፡ እነሀ ኣብታ ትማሊ ንህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ድፋጭኡ ዘውጸኣቶ ኢትዮጵያ ንኽዕቆብ ተገዲዱ። ካብዚ ንኽላቐቕ ኢሉ እውን ኣብ ፈቐዶ ምደረበዳን፥ ባሕርን ምድረበዳ ሲናይን  ህይወቶም ዝጥፍኡ ኣዲኦም ትቚጸሮም። ኣብዚኸ ከሲርናዶ ኣይከሰርናን።

እቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ነቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ቅዋም ሞይቱ ከምዝበሎ ገይርዎ። ነቲ ዲሞክራሲ ክንትከል ክብሎ ዝጸንሐ ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይከኣልን ኢልዎ። ትማሊ ወያኔ ነቲ ብይን ንቕበሎ ግን ድማ ክንዛተ ኣሎና ምስ በለት ብዙሕ ኣጉባዕቢዑ። ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኮነ ብናይ ደገ ተጽዕኖ ነታ ወያኔ ክትብላ ዝጸንሐት ተረጊጹ ደጊምዋ። ነዚ መዋጽኦ ረኺበ ኢሉ ድማ፡ “ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣሎና” ኢሉ ክፈላሰፈልናን ኣይከሰርናን ክብልን ኣይሓፈረን።

እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ ከምዚ ዓብይ ዓወት ዘመዝገበ ይመስል፡  ኣይከሰርናን መበሊኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ንምሽፋን፥ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኤትዮጵያን ከም ክልተ ዝተፈላለየ ህዝቢ ዝብል ኣካል ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ እዩ ከኣ በለ። ስለዚ እታ ናቱ “ኣይከሰርናንሲ” ኣብ ምንታይ እያ ክትሽረፍ። ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቃ ዝተረኽበት ናጽነት ኤርትራ ኣልሚሱ ስልጣኑ ስለዘናወሔዶ ኾን ይኸውን ኣይከሰርናን ዝብለና ዘሎ። እወ! ዝተወፈዩ ደቅና ናጽነት ኣምጺኦሙልና፡ ደሞም ከንቱ ኣይተረፈን። እንተ እቲ ንመናውሒ ስልጣኑ ክብል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ጻሕታሪ ባህሪ ግን ኣኽሲሩና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንክብርን ልኡላውነትን ክብርን ሃገርና’ውን ኣብ ሰንከልከል ኣውዲቕዎ እዩ።

እዛ ዕለት እቶም ምእንቲ እዛ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተላቒቓ ናጻ ክትከውንን፡ ህዝባ እፎይ ኢሉ ድምጺ ውግእ ዘይሰምዓሉን ሃዋህው ክፍጠርን በጃ ዝሓለፉ ብረት ዝዓጠቑ ይኹኑ  ዘይዓጠቑ ክብርን ሞጎስን ይግበኦም እዩ። ሳላ ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ደሞም ዘፍሰሱን ኣዕጽምቶም ዝኸስከሱን ከኣ እነሆ መሳፍሒ ዝኸውን ሓራ መሬት ኣውሪሶሙናስ  ብዛዕባ መጻኢ ሓርነትን ዲሞክራስን ክንቃለስ እኳ በቒዕና እነሆ።

ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና