ሰነ-ጥበባዊ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢዮብ ሃይለ ረዳ፡ ብ7 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጀርመን ዓሪፉ ዝብል ዘሰንብድ ዜና ብኣዝዩ ዓሚቕ ሓዘን ሰሚዕናዮ።

ኢዮብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ ብሞያኡ ሰራዊትን ህዝብን ኣብ ምልዕዓልን ፍቕሪ ሃገር ኣብ ምስራጽን ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ኣወፍ እዩ። ኢዮብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ብዝለዓለ ወነን ፍቕሪ ሃገርን ብዘዜሞም “ሓላው ሃገር ናይ ጸላኢ ጋሻ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ጀብሃዊ መሊሻ፡ ወያ ተፈታዊት ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ እየ ንኽትወጽእ ሓራ፡ መን እዩ መቓልስተይ ንግዝያኡ ጥራሕ፡ መን ከእዩ ብጻየይ ብመትከል ዝምራሕ፡ ምልክት ናይ ቃልሲ ሰነድ ሰውራ፡ ውጉኣት ሓርነት ሰላም ብሓበራ …… ውዘተ” ብዝብሉ መሰጥትን ማሃርትን መዛምሩ ዘይርሳዕ ኣሰር ዘንበረ ሓርበኛ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ስነ-ጥበባዊ ኢዮም ሃይለ ድሕሪ ናጽነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ እውን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፈስቲቫላት ኤርትራ ካስልን ፍራንክፎርትን ንሞያኡ ዝኮነ ይኹን ውዕለት ከይደለየሉ ብተወፋይነት ክሳተፍ ዝጸንሐን ግዲኡ ዘበርከተን ውፉይ ነይሩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እንዳገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ሓርበኛ ኢዮብ ሃይለ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብ ይብል

ገርዝግሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

8 ታሕሳስ 2023

   

EDA Germany 2010ብዕለት 18.11.2023  ኣብ ኣዳራሽ ዛልባው ግሪስሃይም ከተማ ፍራንክፎርት  ከምቲ ልሙድ  እተን ንነዊሕ ዓመታት ነቶም ኣካለን ዝኾኑ ኣብ ከሰላ ዝነብሩ ጽጉማት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ከይተሓለላ ዝጽዕታ ግዱሳት  ደቂ ኣንስትዮን  ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማትን ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ዉጉኣት ሓርነት  ንምሕጋዝ ዝተዳለወ  ናይ ድራር ምስዮት፣ ከም ወትሩ ብዕዉት ልግሲ ተሳተፍቲ እዩ ተዛዚሙ።

እዚ ቅዱስ ተግባር ዘሰነዮ ምስዮት‘ዚ፣ ብናይ  እንቛዕ  ዳሓን መጻእኩምን መጻእክንን ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ጀርመን  ተኸፊቱ። ብዛዕባ ህሉው ኲነተት ኣባላት ውጉኣት ሓርነትን ጽጉማንን መደበር  ከሰላን፣ ምዕብልና  ማሕበርን ሓጺር ሓበሬታ ንተኣተፍቲ ናይቲ ምስዮት ድማ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ  ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር በቲ ኩሉ ጊዜ  ከይሰልከዩን ደኺምና ከይበላን ነዚ ማሕበር ኣብ ምሕብሃብን ምጥዋርን ዘለዉ/ዋ  ግዱሳት ዕዱማት  ኤርትራውያን ብብምስጋን፣ ኣስዒቡ ሓውና ዓንደጼን ግርማይ ብጥዕና ምኽንያት ክሳተፍ ብዘይምኣሉ፡ ነተን  ነቲ ምስዮት ዘዳልዋ ዘለዋ ዘይሕለላ ጽኑዓት ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ምስጋናን ብመንፈስን ብተግባርን ኣብቲ ምድላው ከምዘለኹ ሓብሩለይ ክብል ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።            

ኣብዚ ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳዕ 22፡00 ዘሎ ሰዓትታት ዝተኻየደ ምስዮት‘ዚ፣ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ሓዘል ዋዛ ምስ ቁምነገር ብምቕራብ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘሰነዮ ዝተቐረበ ሽሻይ ዓቢ ድምቀት ሂብዎ  ኣምስዩ።

ድሕሪ‘ዚ ተሳተፍቲ ከም ወትሩ፣ ነቲ ተገዲሶም  ንምዕዋቱ ዝመጽዎ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር፣ ብልቢ ዝምስገንን ብርኩትን ኣስተዋጽኦኦም  ክሳብ €1.713.66  (ሓደ ሽሕን ሸውዓተ ሚእቲን ዓሰርተው ሰለስተ ኤውሮን ሱሳን ሹዱሽተን ሳንትን) ኣታዊ ተገይሩ፡ ኣብ መደበር ጽጉማት ዝነብሩ ኤርትራውያን ተዓንጊሎም ከምዝሓድሩ ገይሮም።   

ተሳተፍቲ ምስዮት፡ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እቲ ዕማም ንኽምዕብ ኣብ መጻኢ ብተገዳስነት ንኽሰርሓሉ ኣገዳስን   ሃናጽን ምኽርን ለበዋን ብምሃብ እቲ ልግዚ ዝመልኦ ቅዱስ ምስዮት ተዛዚሙ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድራር ምስዮት፣ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይካተን ናይ ኮሮና ተላባዒ ሕማም ዓመታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እንዳተዳለወ ብዘይምሕላላ ዝካየድ ዘሎ ሓልዮት ዝመልኦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ድማ ይግባእ።

ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

ጨንፈር ሃገረ ጀርመን

ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋን ዝወሰዶ ግዜን ረዚንን ነዊሕን እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ነቲ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞን ዝተጓዕዘን ከኣ፡ ብዓብይኡ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ፖለቲካዊ ውድባቱ እውን ነናተን መሪሕ ብጽሒት ነይርወን እዩ።

ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻሊ ሓለዋ እውን ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ  ግደ ሰራዊት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ መሰረታዊ ሓላፍነት ሰራዊት ከምዚ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና፡ ዝቆጻጸር ሕገመንስታዊ ቀጥዒ ዘየብሉ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ እናኣተኻ ምድኻር ዘይኮነ፡  ቅዋም ብዘሰክሞ ሓላፍነት ህዝብን ዶባትን ምሕላው እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ኣብ ዝምጥን ብራኸ  የለን።

ንጉዳይ ልኡላውነት ክሳብ ክንድዚ ዕዙዝ ቆላሕታ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ብዘይብእኡ ህላወ ሃገርን ህዝብን ስለ ዘየለን፡ ናይ ኩሉ ህንጸት ህዝባዊ ስርዓት፡ ምስፋን ሰላምን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤትን  መሰረት ስለ ዝኾነ እዩ። ምሕላው ልኡላውነት ክበሃል እንከሎ፡ ምዕቃብ ሩባታት፡ ጎበታት፡ ጐላጉልን ባሕርን ጥራይ ማለት ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ልኡላውነት ምርግጋጽን ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ማለት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እዚ ማለት ልኡላዊት ሃገር ብዘይልኡላዊ ህዝቢ፡ ልኡላዊ ህዝቢ ድማ ብዘይልኡላዊት ሃገር  ትርጉም ዘየብሎም ምዃኖም ምንጻር እዩ።

ህግደፍ ብጉዳይ ምዕቃብ ልኡላውነት ዝግደስ መሲሉ ብምቕራብ እዩ ዘጉባዕብዕ። ነዚ ዝመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ከም መንግስቲ ክዓሞ ዝግበኦ ዝነበሮ ህዝባዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳታት ካብ ምዕማም መህደምን መሕብእን ንክኾኖ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ”ዶብና ከይተጠረረ” ዝብል ሸፈጥ ብምድግጋም ክሳብ ክንደይ ንኹለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ህዝባዊ ጠለባትን ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ ዓቃቢ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ፡  ንገዛእ ርእሱ ከም እንኮ ተገዳሲ፡ ተሓላቕን ሓላውን መሲሉ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተንኮል፡ ዘይግበኦ ምስሊ ናይ ምጽብባቕ ሸፋጢ ጉርሒ ምንባሩ ሎሚ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብካለኦት ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተሉ ኣካላት እውን   ዝተቓለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።

ህግደፍ ካብዚ ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝነቅል እዩ፣  ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንዝቃወሙን ዝቃለስዎ ዘለዉን ኤርትራዊ ወገናት፡ ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር፡ ናቱ ኣቐሚጡ፡“ጸረ ልኡላውነት ሃገር፡ ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ልኡኻትን” ኣምሲሉ ክገልጾም ዝፍትን። ብግብሪ ግና ብሓፈሻ እቲ ብናይ ሓደ ሰብ ሳንቡእ ዘስተንፍስ  ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ መራሒኡ ሕሉፍ ዲክተተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልኡላውነት ዝዕቅብ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ዓው ኢሉ ኣብ ኣደባባያት ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ክምድር፡ ተሓቢኡ ክወዓዓልን ክመጻደቕን ዝጸንሐ ጠላም  ምዃኑ ንኹሉ ኣብ ዝበርሃሉ እዋን ኢና ዘለና።

ኣብዚ በበቲ እንኣምነሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ተወዲብና ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡  ምስ ገሊኦም ባዕልና ንፈጥሮም፣ ገሊኦም ድማ ካብ ድሌትና ወጻኢ ዝፍጠሩ ዛዕባታት ኢና እንዋሳእ ዘለና። እቲ ቀዳምነት እንህቦ መሰረታውን ቀጻልን ኣጀንዳና “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ” ኮይኑ፡ ነዚ ከነዕውት ዝሕግዙና ከም “ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ” ዝኣመሰሉ  ኣጀንዳታት እውን ይጽንሑልና ዘይንብሎም እዮም።  ካብዚ ሓሊፉ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ሃገርናን ህዝብናን ብኸመይ እዮም ክመሓደሩ” ዝብል እውን ግቡእ መስርዑ ኣትሒዝና እነሰጉሞን ደሓር ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰንን ረዚን ዛዕባ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ከኣ ብፍላይ ምስቲ ሎሚ ተባራዒ ኮይኑ፡ በብግዜኡ ዝፍጠር ዘሎ  ናይ ርሑቕን ቀረባን ትንዕምንዕ ቀዋሚ ቆላሕታ ዘይንነፍጎ መሰረታዊ ኣጀንዳና ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ግቡእ ክብደት ዘይህብን ዘይእርኑብን ምንቅስቓስ ተኸቲሉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝደናደን ህበቡላ ብቐጻሊ ይነፍስ ኣሎ። ምስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታትን ኣኼባታት ትካላት መንግስቱን  ብብዙሕ መምዘንታት ክረአ እንከሎ፡ ዘይዛመድ ተረኽቦታት እናገጣጠመን ንታሪኻዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይቦታኡ እናጠቓቐሰን፡ ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕን ዘይሓላፍነታውን ጐስጓስ፡ “ልኡላውነትና ውሑስ እዩ፡ ኣብይ ኣበይ ከይበጽሕ” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዓለም ናይ ሓያልን ዓመጸኛን ከም እትኸውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣተኩሮ ክንህቦ ኣብ እንግደደሉ ኢና ዘለና። እንተ እቲ ትማሊ ልኡላውነት ዩክረይን ብሩሲያ ክገሃስ እንከሎ ካብ ኣፍሪቃ በይኑ፡ ካብ ዓለም ድማ 5ይ ርእሱ ወራር ዝደገፈ ህግደፍ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክምጉት ዘብቀዖ ሞራል የብሉን። በመንጽር’ዚ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብሓባር፡ “ቀዳምነትና ምውጋድ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነት እንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን” ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከምዘየለና ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ጉዳይ ልኡላውነትና ነቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ብዘየረስዕን ግቡእ ግምትን ቆላሕታን ክንሃቦ ይግበኣና። ክንድቲ ንኽእሎ ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን መዳይ እውን ክንዋሰኣሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐት ኤርትራ፡ ምውጋድ ህግደፍ ንበይኑ እቲ እንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ፡ ምምስራት፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት  ክዕወት ኣይከኣልን እዩ።

ሓደ ካብ ዕላማታት መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰሓኤ፣ ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝካየዶ ቃልሲንምቕራብ  እኳ እንተኾነ፣ መስርሕ ማሕበራዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና፡ ጥንተ ድለባዊ መግዛእቲ ኮነ ምስፍሕፋሕ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ሰረትን ምእታው መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራን ዘይተወደበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ኣስፊራ ስለዘላ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት፡ ታሪኽን መንነትን ሃገሮም ንኽፈልጡን ክመራመሩን ኣበርክቶ ክህልዋ  እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካላኣይ ውግእ ዓለምን ጠንቅታቱን፡  ኣሰላልፋ ሓይልታትን ውጽኢቱን ከተጠቓልል ከላ፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት፣ ምስ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተፈጥራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስልፍታት፡ ዕላማታተን፡ ብዝሐን ኮነ ቁጽሪ ኣባላተን፡ ዝተኻየደ ውሽጣውን ግዳማውን ቃልስን፡  ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ዝተገብረ ውዲታትን ፈላለዪ ፈተነታትን’ውን ተንጸባርቕ እያ። ምስዚ፡ ሓያላን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ፡ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ  ውዲታትን ፈሒሰን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ  ብዝንቡዕ ፈደረሽን ክትተኣሳሰር ምግባረን፡ እቲ ክከላኸላሉ ዘይክእላ ውዑል ድሕሪ ምጥሓሱ ዝተኻየደ ጎበጣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ፖሊቲካዊ መኸተ፡ ታሪኻዊ ተረኽቦታትን ግደ መደበር ቓኞውን ብሰነድ  ዘጠቓለለት እያ።

ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መሓዛኦም ዝዀነ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተቆርነት፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተኣገደ፣ ኤርትራዊ ትካላት ምስ ፈረሰ፡ ዲሞክራስያዊን መሰላት ህዝቢ ምስተጋህሰ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝማዕበለ ስዉር ምንቅስቓስ፡ ንመግዛእቲ ዝተቓወሙ ውፉያትን ግዱሳትን ተመሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ካይሮን፣ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ  ወተሃደራትን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ናብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘሰጋግር ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣወጀ። ድሕርዚ ኣመለኻኽታ መግዛእታውን ተፈንጨልትን ሓይልታት፡ ከምኡውን ግደ መንግስቲ እስራኤል ዝሓዘት’ያ። 

መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንተራን ሞያን ሰራዊት ሓርነት ካብ 1961 ክሳብ 1974ን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ደባይ ስርሒታትን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታትን ምፍንጫላትን፡ ንምእራም ክሳብ ቀዳማይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ጻዕርታትን  ውሳኔታት ጉባኤን  ዝነበረ ዝርዝር ኲነታት ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ  ብሰፊሑ ገሊጻ’ላ። ምስዚ ብመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ሰልፊ ነጻነትን ድሒሩ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንታሪኻዊ ግደ ተሓኤ፣ ንምብራዝን ንምሕካኽን ዝተፈተነ ዘመተ ኣጠቓሊላ ትርከብ።

ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዝበዀረሉ፣ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተነፍገሉ፡  ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ምልኪ ጅሆ ተታሒዙ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከምዘይርኣየ  ኣብ ዝሓልፈሉ  ዘሎ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ዘለዎምን፣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ግዲኦም ብዘበርከቱ ኣሕዋትን ቅድመ ንባብ ተገይሩላ፡ ብደረስቲ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ነጻነትን ምሕበራዊ ፍትሕን  ተሓቲማ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ ኣላ።

ኣታዊ ሽያጥ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርን ኣካለ ጽጉማንን ዝውዕል እዩ።

መጽሓፍ ንምርካብ፡  ብኢመይል፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ተለፎን፡ ኣብ ኣመሪካ +1 408 896 3154፡ ኣብ ጀርመን +49 616 282 793 ኣብ ሆላንድ: +31 686487625 ንምውካስ ይካኣል።

ደረስቲ

ህዝቢ ኤርትራ 1 መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ ዕላማኡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ ተበጊሱ። ነታ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ብነጻነት ዘስተማቕረላ፣ ኽብርታቱን ሕግታቱን ሓልዩ፡ ባህልታቱን ወግዕታቱን ኣጽኒዑ፣   ዝነብረላን፡ ሰሪሑ ብራሃጹ ክዓብየላን ክምዕብለላን ዝግብኦ መረበቱ ዝኾነት ሃገሩ ካብ ጎበጣ  ስርዓት ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻ እዩ ነይሩ። እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ቃልስን ዝተኸፍሎ ረዚን ዋጋን እውን ናብቲ ክብጻሕ ዝተደልየ ዕላማ ዘነጻጸረ ነይሩ። ውዳቤኡ፣ ውህደቱን ቅኒቱን ንሓደ ንጹር ሃገራዊ ዕላማ ስለዝነበረ ድማ ኣላሽ ኣይበለን። የግዳስ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ሰብኣዊን ንዋታውን ሕጽርታት፣ ክሳብ ዓንቀሩ ምስዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእትን መሻርኽቱን ገጢሙ፣ ኩሉ ዝጠለቦ ዋጋ ከፊሉ፣ ነቲ ዓለም ሕልሚ ዝበለቶ ብቅልጽሙ  ዕላማኡ  ብምጭባጥ፣ ክልተ ግዜ ኣዛሪቡ።

   

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቓልሱ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገሩ፤ እዚ ድሕሪ ነጻነት ረኺብዎ ዘሎ ጥልመትን ክሕደትን በቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ መራሕትኻ ኢና ዝብልዎ ዘለዉ ከጋጥመኒ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። ንናጽነት ሃገሩ ተቃሊሱን ኣቃሊሱን ህይወት ኣሽሓት ዜጋታቱ በጃ ብዝኸፈለ ውድብ ክጥለም እውን ኣይተጸበየን። ኣብ ክንድኡ ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ደጀን፣ ዕጥቅን ስንቅን ዝኾኖ፣ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ንሕውየትን ዳግመ ህንጸት ሃገሩ ተስፋን ድልየትን ኣቐዲሙ ኣብ ጎኒቲ ዝበቆለ ስርዓት ዕጥቁ ኣደልዲሉ ተበገሰ። ኩሉ ኣቃልቦኡ ኣብ ህንጸተ ሃገር ስለዘድሃበን፡ ኣብ ስርዓት ህግዲፍ እዚ ዘይበሃል ግርህነታዊ እምነት ስለዘሕደረን ከኣ፡  ህግዲፍ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ፍጹም ምልኪ ከይሰወደ እንከሎ ናይ ምክትታሉን  ብኣግኡ ዓገብ ናይምባሉን ዕድላት ኣምለጦ።

    

ጨካንን ጠላምን ስርዓት ህግዲፍ ድማ ንለዋህነትን ግርህነትን ህዝቢ መዝሚዙ፣ በዓል ዳሓን ተመሲሉ ቀስ ብቀስ ንህዝቢ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክርስያዊ መሰላቱ ሓሪሙ፡ ኣብ ቲሕቲ ጽኑዕ ኣርዑት ምልኪ ቆረኖ። ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ንኹሉ ብማዕረ ብቐጢን ትእዛዝ ኣገልጋሊ ምልኩ ከምዝኸውን፡ ንዓንዳርን ጻሕታሪ ሁከት ዝኾነ መደባቱን ናይ ህይወት ዋጋ እና ኸፈለ ከምዝነበር ገርዎ ይርከብ።

ሕጂውን ቀንዲ ጠንቅን መበገስን ሓርነታዊ ቃልስና ወጽዓ ህግደፍ እዩ። ብብሄረይ፡ ብሃይማኖተይ፡ ብዞባይን  ካልእን ተበዲለ ንዝብል ኩሉ፡ እቲ በዳልን ወጻዕን ኣካል ሓደ እዩ። ንሱ ድማ ስርዓት ህግዲፍን ንሱ ዝፈጠሮ ኲነታትን እዩ። ከምቲ ሽግርና ሓደ በደሊና እውን ሓደ ዝኾነ ድማ ዕላማ ቃልስናውን ሓደ ኮይኑ፣ ኣወዳድባና እውን ምስ ዕላማና ዝተቃነየ፣ ሓባራውን ሃገራውን መልክዕ ዝሓዘን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን  ክኸውን ምተገብኤ። ምኽንያቱ ሓባራዊ መፍትሒ መከራና ንስርዓት ምልኪ ካብ ሱሩ ጸራሪግካ ብምጉሓፍ ብቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ ስለዝኾነ።

ኲነታት  ደምበ ተቓውሞ ንዝተዓዘበ፡ ኣወዳድባናን ዘሳሓሕቡና ኣጀንዳታትን ኣብ ግምት የእቲኻን ግን፣ ሰብ ሓደ ዓይነት ሽግርን፣ ዕላማን ምዃና  ዘመስክር ኣይኮነን። እቲ ምውዳብ ሓደ ካብ መሰረታዊ መሰላት እዃ እንተኾን ክቕድሙን ክድሕሩን ዝግባኦም ውዳቤታት ዝሰርዐ ስለዘይኮነ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታትን ገዛዚዕና፣ ኣብ መንነታዊ፣ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣጀንዳታት ምፍልላይ  ምህላውና፣ እምበርዶ ጠንቅን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልስና ብግቡእ ዘነጸርና ሰብ ጉዳይ ኢና ንኽትብል የድፍረካ። እዚ ማለት ቀዳምነታትና ሰሪዕና ብሓባር ዘሰጉመና ባይታ ክንፈጥር ይግባእ ማለትና እንተዘይኮይኑ፣ ማሕበራዊ ውዳቤታትን ናይ ይግባኣኒ እዩ ሕቶን ክላዓል የብሉን ማለት ከምዘይኮነውን ክፍለጥ ይግባእ።

እቲ ትማሊ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር ዕላምኡ ኣነጺሩ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ  መስተንክራዊ ዓወት ዝፈጸመ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ነዚ ካብ ዓለም ተነጺሉ ንዝነብር ብውልቀ-ሰብ  ዝምራሕ ስርዓት ምቅያር ሲኢኑ፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ቲሕቲ ምልኪ ሓደ ውልቀ-ሰብ  ደም እንዳነብዐ ክነብር መስተንክር እዩ።

ብቀዳምነት እቲ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበል ደላይ ለውጢ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዘርብሕ ውዳበን ባይታ ናይ ቃልስን ምስዘጣጥሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ እምነት የሕድረሉ፡ ህዝቢ ዓለም እውን እንተኾነ ካብዚ ብዘይፍለ፣ ቃልስና ንለውጥን ንመተካእታን ከምዝበቕዕ ተገንዚቡ ኣፍልጦ ምሃቦ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣወዳድባናን መሰሓሓቢ ኣጀንዳታትናን ኣዝዮም ተመዝመዝቲ ኣይምኾኑን፡ ጥርጣረን ስኽፍታን ህዝቢ ኣብ ሊዕሊ ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ንምግባር ስርዓት ህግዲፍ ኣይምተጠቕመሉን።

እቲ ጨቋኒ ስርዓት፡ “ብመስዋእቲ ደቅኻ ንዘምጻእካያ ሃገር ምስ ጸላእትኻ ወጊኖም ልዑላውነታ ከድፍርዋ ይሰርሑ ኣለዉ፣ ብሃይማኖትን ብብሄርን ከፋፊሎም ክገዝኡኻ ይሸባሸቡ ኣለዉ፣ ሃገራዊ መንነትካ ናብ ብሄራዊ መንነቶም ክቅይርዎ ዝደልዩ ኣለዉ፣ ንታሪኽካን መስዋእትኻን ዘራኽሱን ዘቆናጽቡን ይመጹኻ ኣለዉ” ወዘተ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብምምዝማ፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣሰይጥኑ፡ ንህዝቢ ካብ ዘይፈልጦ መልኣኽሲ ምስ ዝፈልጦ ሰይጣን ናብ ዝብል ዕግበት ይደፍኦ ምህላዉ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ተመኩሮ ጉዕዞ ሓርነትዊ ቃልሲ ኣብ ምንጻር ዕላማናን ንዑኡ ዝበቅዕ ኣወዳድባን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከምዘለዎ ተቐቢልካውን ጠርናፊ ሓባራዊ ስራሕ ኣነካይደኡ መስርሕ ከምዘድሊውን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ ንገድላዊ ምዕራፍ ነጻነታዊ  ጉዕዞ ሃገር፤ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ድኹምን ኣወንታን ሸነኹ፡ ከም ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ዝቅበል፣ ንብዙሕነታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብር፣ ኣብ ሱርበተኽ ምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝኣምን፣ ኣብ ምኽባርን ማዕርነትን ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ዝኣምን፣ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት ብህዝቢ ዝተመርጸ ቁዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት  ምቋም ዝቕበል ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መስሪቱ ኣብ ምብጋስ ዝርከብ ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ወይ ጽላል ክዓስል ናይ ትማልን ሎምን ዕማም ክኸውን ይግባእ።

ብተወሳኺ እዚ ብበርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዲናሚካዊ ደፋኢ ሓይሊ ብምዃኑ፣ ብስፍሓቱን ተብግስኡን ንህዝቢ ዓለም ኣዛራቢ ኣጀንዳ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዓቢይ ናይ ቃልሲ ተስፋ ይኸውን ምህልዉ፣ ንስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ከኣ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ካብ ቅድሚኡ ዝጸንሔ ተመኩሮታት ተማሂሩ፣ ካብቶም ስርዓት ህግደፍን ሳዓብቱን ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ነቃዓት ምፍጣር ተጠንቂቁ፡ ውሕሉል ናይ ቃልሲ መንገዲ ክሕዝ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ብምዝኽኻር፡ ሰዲህኤ እውን በቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት መሰረት ንቀጻልነትን ምሕያልን ናይዚ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ኮነ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ምቛም ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ከበርክት እዩ።