ኮንፈደረሽን ውድድር ብሽግለታ ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ውድድር ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣንጸባራቒ ዓወት ከም ዝመዝገቡ ዳይሊ ነሽን (daily nation) ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ሓቢራ። ኣብዚ ኤርትራውያን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተዓወትሉ ውድድር ካብ 30 ሃገራት ዝተወከሉ 300 ኣፍሪቃውያን ተወዳደርቲ ተሳተፍቲ ከም ዝነበሩ’ውን እታ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ከም ዘስፈረቶ፡ ኣቀማምጣ መሬት ኤርትራ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ ስለ ዝኾነን እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ጐላጉል ቀይሕ ባሕሪ ከይተረፈ፡ ኣብ በሪኽን ዓሚቑን ኣብ ጐልጐልን ዓቐብን ስለ ዝተለማመዱ ብዝረኸብዎ ዓቐብ ናይ ምድያብን ቁልቁለት ናይ ምውራድን ተመኩሮ ኣብ ዓወት ከም ዝበጽሑ ጠቒሳ።
ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 23 ሕዳር 2025 ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ውድድር 3 ወርቂ፡ 5 ነሃስን 3 ብሩርን ብድምር ብክልቲኡ ጾታታት 10 መዳልያታት እዮም ረኺቦም። ኣብቲ ኣብ 23 ሕዳር ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ውድድር፡ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ጋንታ ዓበይቲ፡ ዓወት ኣማን ካብ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድመኦም ናታን መድሃኔ ድማ ካብ መደብ ማእከሎት ሰለስቲኦም ወርቂ መዳልያ ከም ዝረኸቡ ተፈሊጡ። ኣብ ርእሲዚ ናሆም ኤፍረምን መዋእል ግርማይን ብወገኖም ከካብ መወዳድርቶም ነሃሲ መዳልያ ዝሰዓሩ እዮም።
ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኣድያም ተስፉ ካብ መወዳድርታ ነሃሲ መዳልያ ክትወስድ እንከላ፡ ሞናሊዛ ኣርኣያ ከኣ መዳልያ ኣስራዚ ስዒራ። ኣብ ርእሲዚ ሱዛና ፍሰሃየን ብርኽቲ ፍሰሃየን ካለኦት መዳልያ ኣስራዚ ካብ ዝረኸባ ምዃነን ተሓቢሩ።
ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዕለት 22 ክሳብ 23 ወርሒ ሕዳር 2025 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ፡ ኣብ ዝተፈለለዩ ጉዳያት ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምውሳድ ብዓወት ዛዚሙ።
ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ዞባናን ከባቢናን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብኲናትን ወረ ኲናትን ተሓሚሱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብኣህጉራዊ መዳይ ድማ፡ ኣትኩሮን ኣቃልቦን ዓለምና ኣብ ኲናት ዩክረንን ሩስያን ብሓደ ሸነኽ፡ እስራኤልን ፍልስጢኤምን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ተሻቒሉ ኣብ ዘለወሉ ህሞት እዩ ተኻይዱ።
ማእከላይ መሪሕነት ብኣቦ-መንበር ፖ.ሓ.ኤ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ኩለን ቤት ጽሕፈታት ብዝርዝር ድሕሪ ምስማዕ፡ ንዝቐረበ መብርሂታትን ምምሕያሻትን ወሲኹ ኣጽዲቑ። ብድሕርዚ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸደቐ ዓመታዊ መደብ ዕዩታት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈታትን ተቖጻጻርን፡ ዝተዓመመን ዘይተዓመመን፥ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ናይ ነፍሲ ወከፎም ገምጊሙ፡ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምንታይ ኣተኲሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተመያዪጡ። ብዘይካዚ ኣብ ምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ጻዕርታት ከካይድ እኳ እንተጸንሐ ኣብቶም ብዙሕ ዘይተዓወተሎም ነገራት ብሓዲሽ መንፈስን መደባትን በርቲዑ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ማእከላይ መሪሕነት ፖ.ሓ.ኤ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥን ምርድዳእን በዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ውሳኔታት ዛዚሙ ኣሎ።
ምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት፥
- ምምስራት ፖ.ሓ.ኤ ሓደ ስጉምቲ ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ እቶም መስረትቲ በብእዋኑ ሕድሕድ ምትእምማኖም እናዓበየ ክኸይድ ምጽንሑን፡ ንዝተራእየ ይዕበ ይንኣስ ዘይምርድዳኣት ብዝተፈላለየ መድረኻት ኣዝዩ ሃናጺ ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ምጽንሑ ዝነኣድ ኮይኑ፥ ንቐጻሊ እውን እቲ ዝጸንሐ ምዕቡል ኣፈታትሓ ግርጭትን ምርድዳእን ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዝግባእ ምዃኑ ርእዩ።
- ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዘዝተወልዱ ናብ ዘይዛሪ ኩናት እናገበረ ጸኒሑን ኣሎን። ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርና መሬት ዘቢጡ መንእሰያትና ቀዳማይ ምርጫታቶም ስደት ካብ ዝኸውን ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እምበኣር ንጭቑን ህዝብና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩሉ መዳያዊ ዓመጽ ንምድሓን፡ ሓድነት ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣብተን ኣርባዕተ መቖምያታት ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሓይልታት ተጀሚሩ ዝጸንሐ ዘተታት ብሓዲሽ መንፈስን መደብን ተዛትዩ ንምዕዋቱ ክጽዕት ከምዘለዎ ርእዩ። እተን ኣርባዕተ መቖምያታት እዘን ዝስዕባ እየን
ሀ- ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕን፡ ኣብ ብዙሕነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝተሰረተ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ጥጡሕ ባይታ ምምድማድ
ለ- ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምሕላውን ምድልዳልን፡ ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁው ንምፍጣርን ምዕያይ
ሐ- ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ባህሊ ዲሞክራስን ሰላምን ሓባራዊ መነባብሮን ሃናጺ ዘተን ምዝርጋሕ
መ- ኣብ ሃገራዊ ልዑላውነትን፡ ፍትሓውነት ናጽነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብምእማን ንዝቃለሱ ሓይልታት ዝጠራንፍ ዝብልዩ።
- ኣብዘን ኣርባዕተ መቖምያታት ሃገራዊ ሓይልታት ዝተመርኮሰ ሰፊሕ ናይ ምጥርናፍ ባይታ ንምጥጣሕ ዝቕጽል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ መጽናዕቲ ኣቕሪቡ ንናይ ዘተ ሽማግለኡ ከስንቕ ወሲኑ።
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዘካይድ ጉባኤ ዓወት ብምምናይ፣ ሒዝናዮ ዘለና ቻርተርን ሕገ-ህንጻን ኣብ ምንዳፉ ተሳታፊ ከምዝነበረ ፍሉጥ ኮይኑ ድሕሪ ጉባኤኦም ናይ ዘተን ልዝብን መስርሕ ንኽንቅጽሎ ድሉው ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ወሲኑ።
- ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤልደለ) ኣብ ክሊ እቲ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቐርብ መጽናዕቲ ዝጀመርናዮ መስርሕ ዘተ ክቕጽል ከምዘለዎ ርእዩ።
- ምስ ካልኦት ብተናጸል ክዛተዩ ድሉዋት ምስ ዝኾኑ ውድባት እንተኾነ’ውን ብመሰረት እቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከቕርቦ እንጽበዮ መጽናዕቲ ንምዝታይ ቅሩባት ከምዘለና እውን ማእከላይ መሪሕነት ወሲኑ።
ዝምድናና ምስ ናይ ደገ ሓይልታት
ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት (መንግስታት፥ ውድባት፥ ግንባራት) ዝግበር ዝምድና፡ ኣብ ልዑላውነት ሕድሕድ ሃገራት ዘኽብር፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ዕብየትን መርሆ መሰረት ዝገበረ ይኸውን።
ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ኣብያተ ጽሕፈታት ፖ.ሓ.ኤ
ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ዝጸንሔ እወንታታትን ሕጽረታትን ድሕሪ ምግምጋም፡ ስሉጥን ኣድማዕን ስራሕት ኣብ ምስልሳል ክካተቱ ዘለዎም ኣገዳስቲ መሳርሒታትን ምምላእ ዓቅሚ ሰባትን ከምዘድሊ፡ ኣብዝቐረቡ ትልሚ መደብ ዕዮታትውን ቀዳምነት ክዋሃቦም ዝግባኦም ዕማማት ብዝሰርዐ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ ትልሚ መደብ ዕዮ ኣጽዲቑ።
ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ህዝብና ብሰሪ ሕሰም ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስደትን ከርተትን ከምዘሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኣብ ርእስቲ ሒዝዎ ዝጸንሔ ዕማማት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታቶም ከጽንዕን ዘድልዮም ነገራዊ ሓገዛት ንምርካብ ናብ ገቢረ ሰናይ ትካላትን መንግስታትን መዘክራት ከቕርብን ክጉስጉስን መሪሕነት ወሲኑ።
ማእከላይ መሪሕነት ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ምቅርራብ፡ ኣብ ምስንድኡ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ሓሳባት ብምቅራብ፡ ንፈጻሚ ኣካል፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንኽምዝዝን ዘድሊ ቀረባት ከጣዓዕምን ሓላፍነት ኣሰኪሙ።
- ኣብ መጨረሽታ ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ከገልግሉ ዝጸንሑ 9ተ ኣባላት መሪሕነት ደጊሞም ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ከገልግሉን ክቕጽሉን ምስ ዘድሊ ኣብ ውሽጦም ምምዕርራይ ክገብሩ ሓላፍነት ብምሃብን ኣኼብኡ ዛዚሙ።
ብሓድነት ንሓርነት
ማእከላይ መሪሕነት 23/11/2025
ብ1936 ኣብ ሃዘጋ ዝተወልደ ስነ-ጥበባዊ፡ ናይ ክብሪ ዶክተር በረኸት መንግስተብ፡ ብ12 ሕዳር 2025 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መብል 89 ዓመት ዕድመኡ ከም ዝዓረፈ ቢቢሲ ንወዱ ክብረወሰን በረኸት ከም ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ኣብ ስነ-ጥበብ ንኣስታት 60 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ዝንገረሉ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣብ 60ታትን 70ታትን፡ “ኣንታ ሓላፍ መንገዲ ተረኺብካያ መለይ ሰላም በለለይ፡ ዓይኒ ኮኸብ ጽሩራ ወርቂ ቢለነ መልከዐኛ ዘበነ፡ ሃሪ ማዕተበይ ዓሽየ’ምበር ኩላቶም ሰበይ” ብዝብሉን ካለኦትን ደርፍታቱ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ዝለዓለ ዝና ዝረኸበ ነይሩ።
በረኸት በዚ ደርፍታቱ ስነጥበብ ኤርትራ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ፍቕሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓዲርዎም ናብ ቃልሲ ንክስለፉ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ካብ ዘበርከቱ ኤርትራውያን ደረፍቲ ሓደ እዩ።
ኣብ 1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣብ ሜዳ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ቃልሱ ንክጸንዕ ዝገበሮ ኣበርክቶ ድማ “ኣቡ ዓሸራ ጀማሪ ሰውራ፡ ኣብ ዓውዲ ውግእ ሃጃማይ ከም ንፋስ በረኻ ሸባባይ፡ ወሃዮ ንዮ በላ ሕሹሕሹኽ ዝኣመላ፡ ከይደ እየ ከይደ ተዓዚረ ሓዳረይ ካባኺ ሃገረይ ኣፍቂረ” ብዝብሉን ካለኦት መሰጥቲ ደርፍታቱን ዘይሃስስ ተዘክሮ ዝገደፈ ወናም እዩ።
በዚ አጋጣሚ ንመዋቲ መንግስተሰማያት የዋርሶ ንስድራ ቤት ድማ ጸንዓት ይሃቦም።
ካብ ከተማ ኣል ፋሸር ሃዲሞም ፡ታዊላ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ኣብ ዳርፎር ከተማ ኢልፋሸር ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 1,850 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ፡ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ፡ ነዚ ዓብይ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣምሪሩ ኮኒንዎ።።
ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ስተፈን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ፡ ተሪር መተሓሳሰቢ ናይቲ ዋና ጸሓፊ ብጉዳይ እቶም ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ጀሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሸሓት ሱዳናውያን ኣቃሊሑ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ናይ ኩነኔ መልእኽቱ፡ ኣብቲ ቦታ ክፍጸም ንዝጸንሐ፡ ጨካን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሲቪል ሰባትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጻን ዝተወስደ፡ ከምኡ’ውን ጾታን ዓሌትን ማእከል ዝገበረ ጨካን ጨፍጫፍ ንዘጠቓለለ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብትሪ ኮኒንዎ። ምስዚ ብተወሳኺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ዳርፎር 1,850 ሲቪል ሰባት ምሟቶም እኳ እንተመዝገበ፡ ካብዚኣቶም እቶም 1,350 ኣብ ከተማ ኣል ፋሸር ዝተቐተሉ እዮም። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ግዳያት ኣሃዝ፡ ምስቲ ዝተኻየደ ከቢድ ጨፍጫፍ ካብቲ ዝግመት ንታሕቲ ምዃኑ’ውን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።
ድሕሪዚ ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ደጊሙ፡ እቲ ኩነታት ካብቲ ዝረአ ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይድይብ፡ ሕጂ’ውን ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝቢ መሕለፊ ኣፍደገ ክረክብን ብዘይገደብ ረዲአት ክቐርበሉን ጸዊዑ። ዓለም ለኸ ውድብ ተመዛበልቲ (IOM)፡ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ዳርፎር ብዘይካቶም ዝሞቱ፡ 2,500 ሰባት ካብ ከተማ ባራ፡ 1,000 ድማ ካብ ከተማ ዙራይባ ተመዛቢሎ ኣለዉ።
እዚ ናይ ዳርፎር ብሓፈሻን ናይ ከተማ ኣል ፋሸር ድማ ብፍላይ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ተረኽቦ ኮይኑሎ።
“ዓለምለኸ ፕሮጀክት ፍትሒ (WJP)” ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2025 ጸብጻብ መስርሕ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ የንቆልቁል ከም ዘሎ ብ28 ጥቅምቲ 2025 ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተዋህበ ደረጃ ኢትዮጵያ ካብ 143 ሃገራት ኣብ መበል 142 ሰፊራ’ላ። እቲ ምንቁልቋል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታ ክረአ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ ናይ 2024 ድማ ብ2.4 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ተገሊጹ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምንቁልቋል ፍትሒ ኣሻቓሊ ኮይኑ፡ ኣብ 2025 ኢትዮጵያ ንእትርከበን 65% ካብ ሃገራት ዓለም ከም ዝጸለወ ጠቒሱ። ብኣንጻርዚ ዲክታተርያዊ ምምሕዳራት ይስዕርሩ ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ተሓታትነት እንዳደኸመ ክኸይድ እንከሎ፡ ነጻነት መስርሕ ፍትሒ ከኣ ብደረጃ ዓለም ይብሕጎግ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።
ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ካብ 34 ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕቲ ሰሃራ፡ መበል 30 ክትስራዕ እንከላ፡ ሩዋንዳ ካብ ዓለም ኣብ መበል 39 ክትሰፍር እንከላ፡ ናሚብያን ማውርሸን ከኣ ጽቡቕ ኣፈጻጽማ ምስ ዘለወን ላዕለዎት ተሰሪዐን ኣለዋ። እቲ ጸብጻብ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ፍትሒ ናብዚ ደረጃ ምውራድ ኣካል ሓፈሻዊ ውድቀት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ 2022 ካብ 140 ሃገራት ኣብ መበል 123 ምንባራ ገሊጹ እዚ ለውጢ ኣብታ ሃገር ናይ ምኽባር ስርዓትን ጸጥታን ምድኻም ከም ዘርኢ ኣገንዚቡ።
ኣብዚ ናይ 2025 ጸብጻብ ናይቲ ትካል፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሰፈረን ሃገራት ብዝምልከት፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደንን ኒው ዘይላንድን ቅድሚት ተዘርዚረን ኣለዋ። ብኻልእ መልክዕ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝተሓተ እቶት ኣለወን ካብ ዝበሃላ 16 ሃገራት ኣብ መበል 13 ኣስፊርዋ።
ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብ24 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ “ኣዳራሽ ኣራዳ ፓርክ” መስራቲ ጉባአኣ ኣካይዳ። እዚ ጉባአ 256 ዘድምጹ ኣባላትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ኣብ ዝተሳተፍሉን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣባላቱ ልኢኹ ኣብ ዝተዓዘበሉን እዩ ተኻይዱ።
እዚ መስራቲ ጉባአ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት፡ ኣቶ ነጋ ኣሰፋ ቀዳማይ ምክትል ፕረሲደንት ከምኡ ድማ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገይሩ መዚዙ። ምስ ብዝተተሓሓዘ ከኣ 7 ኣባላት ፈጻምን 31 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ዝሓቖፈ መሪሕነት መሪጹ። ከምኡ ድማ ኣቦመንበርን ምክትላ ኣቦመንበር ኮሚሽን ምቁጽጻር መሪጹ።
ናብዚ ጉባአ ስምረት ንምብጻሕ ከተሓባብር ዝጸንሐ፡ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝነበረ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ኣማኻሪ ቅርኒ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብል መዝነት ሒዙ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ጉባአ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘተኣማምን ሰላም ዘይምህላዉ፡ ጉባአኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይዱ ከም ዝተገደዱ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩነታት እንተፈቒዱ ኣብ መጻኢ ኣብ ትግራይ ካልእ ጉባአ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎም ኣፍሊጡ።
ኣብዚ መደረኡ ክሳብ መኽፈቲ እቲ ጉባአ፡ 5 ሺሕን 600ን ብኣባልነት መዝጊቡ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ ሓቡሩ። ኣብ ምኽፈቲ ናይዚ ጉባአ ተሳቲፎም ናይ ደገፍ ቃሎም ካብ ዘስምዑ፡ ዝተወሰና ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ምሁራትን ትግራይ ዝሓቖፈ ጽላል ዘወሃህድ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳአ ይርከቦም።
50 ዓመት ዝዕድመኣ ህዝባዊ ወያነ ሃርነት ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህወሓት፡ ስምረት ትግራይን ወለዶ ትግራይን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ኣካላት ተኸፋፊላ እያ እትርከብ።
ብቋንቋ ኣምሓርኛ ፈነወኣ እትዝርግሕ ኣህጉራዊት ሬድዮ ጀርመን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሪፖርተራት ብግዝያውነት ከም ዝተኣገዱ ብ23 ጥቅምቲ 2025 ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ። እታ መደበር ሬድዮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ባህርዳር፡ ደሴ፡ ኣዋሳ፡ ድሬዳዋን ኣሶሳን ብድምር 9 ሪፖርተራት ከም ዘለውዋ’ውን ኣፍሊጣ።
ነቲ ናይ ምእጋድ ውሳነ ዝወሰደ ናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ ምምሕዳር መዲያታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቶም ሪፖርተራት ዝተኣገዱ ብናይ ኢትዮጵያ ናይ መዲያ ሕግን ብሞያዊ ስነምግባር ጋዜጠኝነትን ክግዝኡ ስለ ዘይከኣሉ እዮም ክብል ምፍላጡ እውን ተሓቢሩ።
ነቶም ጋዜጠኛታት ዘእገዶም ቀንዲ ምኽንያት ብ23 ጥቅምቲ 2023 ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እስትራተጅያዊ ቦታታት ከም ዝተቖጻጸረ ዝገልጽ ጸብጻባት ምዝርግሖም ዝተሓሓዝ ምዃኑ ከኣ ተጠቒሱ። ሬድዮ ጀርመን ኢንተርናሺዮናል ነዚ ናይ ኣምሓርኛ መደብ ብ1965 ዝጀመረቶ ኮይኑ፡ ብፍላ ካብ 2018 ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ቦታዊ ሪፖርተራታ ከም ዘዛየደት ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ሪፖርተራት ግዝያውነት ምእጋድ፡ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ ጀሚሩ ብሰፊሑ ዝቕጽል ዘሎ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ብዝምልከት መጣንቐቕታ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ሕጺር ግዜ ዝተወስደ ምዃኑ እውን ሬድዮ ጀርመን ኢንተርናሺናል ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ሓቢራ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ነዚ ምእጋድ ሪፖርተራት ሬድዮ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተወስደ ስጉምቲ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝጻረር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምናልባት ኣካል’ቲ ኣብ 2026 ዝካየድ ተመዲቡ ዘሎ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ዝምልከት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚቱ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ (CPJ) ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርታ ብተዛማዲ ደሓን ዝነበረ ናጻነት ጋዜጣኛታት፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ሕማቕ ገጹ ይምዕብል ከም ዘሎ ዝሓደሮ ስግኣት ዝገልጽ ጸጻብ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ።
ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ፡ ትካል መግቢ ዓለም (UNWFP)፡ ዝለዓለ ሕጽረት ገንዘብ ስለ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለዉ ስደተኛታት ሓደገኛ ዋሕዲ መግቢ ስለ ዘጋጠመ ብ10 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዝሕደሮ ስግኣት ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 27 መደበራት ተዓቚቦም ዝርከቡ 780 ሺሕ ስደተኛታት ናይ መቑነን ምንካይ ክገብር ከም ዝተገደደ ምግላጹ ሽንህዋ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ስደተኛ ኣብ መዓልቲ ካብ 1 ሺሕ ካሎሪ ንታሕቲ መግቢ ይወሃቦ ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ እቲ ሕጽረት ኣብ ልዕሊቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ከም ዝገድድ ጠቒሱ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጽረት ከምቲ ዝተጠቕሰ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ሱዳንን ደቡብ ስዳንን ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ 70 ሺሕ ስደተኛ ግና ንዝመጽእ ዘሎ 6 ኣዋርሕ ስሩዕ መቑነን ምዕዳል ከም ዝቕጽል ኣስፊሩ።
እቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል መግቢ ዓለም፡ ናይ ረዲአት ኣቕርቦት ስሩዕ መልክዑ ሒዙ ንክቕጽል ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ 230 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ። ኣተሓሑዙ ድማ ምናልባት እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዶላር ዓቐን እንተዘይተረኺቡ ምሉእ ብምሉእ ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝግደድ ኣጠንቂቑ።
እቲ ዝካየደ ዘሎ ምንካይ መቑነን ንህጻናት ንጥሜት ንኣደታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዝቕመስ ንክስእና የገድድ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ሓደጋ ከይመጽእ እንሰግኦ ዘይኮነስ ድሮ ዘጋጥም ዘሎ እዩ ክብል ናይቲ ትካል ዲረክተር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝላታን ሚሊሲክ ምጥቃሱ እውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ። ንህጻናትን ኣደታት ተባሂሉ ተዓቚሩ ዝነበረ ፍሉይ ሃናጺ መግቢ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ ምዃኑ እውን ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይዞም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።
ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ
Thursday, 25 September 2025 12:32 Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ
_________________________________________________________
መቕድም
ንሕና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ-ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባን፡ ሕብረተሰብን፡ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታን ዝመጻና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ህዝቢ ኩልና- ኣብ ምክልኻል ናጽነት ሃገርናን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ልኡላዊ መሰላትን ብሓደ ደው ኢልና ኣለና።
እዚ መግለጺ‘ዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መሰሉ ክዉን ንምግባር ዝውሰድ ዘሎ-ሕጋዊ መርገጽን፣ ታሪኻዊ ናይ ሓድነት ጻውዒትን፣ መጻኢ ዕጫ ኤርትራ ዝውሰን ከኣ ብህዝባ ጥራይ ምዃኑ ንምእዋጅን እዩ።
ጎስጓስና ንፍሉይ መንግስቲ፡ ውድብ፡ ወይ መራሒ ንምክልኻል ተባሂሉ ዘይኮነስ፡ ንባዕላ ንሃገረ ኤርትራ - መሬታን፡ ባሕራን፡ ህዝባን፡ ከምኡ’ውን ከም ሃገር ነጻን ሓራን ኮይና ናይ ምንባር መሰላ ንምሕላው እዩ።

ፖለቲካዊ ካርታ ኤርትራ፡- እቲ ካርታ ኤርትራን ከባቢኣን ምስ ኣህጉራዊ ዶባት፡ ሃገራዊ ርእሰ ከተማ፡ ኣስመራ፡ ምምሕዳራዊ ርእሰ ከተማታት፡ ዓበይቲ ከተማታት፡ ዓበይቲ መስመራት ኣየርን ባቡርን፡ ከምኡ’ውን ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ የርኢ።
ድሉውነትና ድማ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ነረጋግጽ፤
- ምሉእ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግን ብድሌት ህዝባን ዝተረጋገጸ ምዃኑ፡
- ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንልዑላውነትና ዝበቅዕ ፍትሕን ናጽነትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእ።
- ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ኩለን ሃገራትን ዝግበር ዝምድናታት፣ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመስረተ ሰናይ ጉርብትና ክኽውን፡
መርገጺና
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መሬት ኤርትራን ባሕራን ንምውራርን- ንወደብ ዓሰብ ከኣ ብሓይሊ ናይ ምሓዝን ዘስዓቦ ስግኣት ሓዊሱ - ቀጥታዊ ምጥሓስ ናይ፤
- ኣህጉራዊ ሕጊ
- ውጽኢት ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆጻጸሮ ረፈረንደም 1993
- ብዓውዲ ኣፍሪቃ፡ እቶም ኣብ እዋን ናጽነት ዝተወርሱ ዶባት፡ ብመሰረት መትከል ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ መግዛእቲ ዘመን ዶባት ይኽበሩ፡ "ከምቲ ብሕጊ እትውንኖ።" (Uti Possidetis Juris)-ዝብል መትከልን እዩ።
ታሪኽ፡ ጂኦግራፍያዊ ቅርበት፡ ወይ ፖለቲካዊ ምቹእነት ብዝብል ምስምስ፡ ናጽነት ኤርትራ ንምድኻም ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ንነጽጎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ውግንነቱ ብዘየገድስ፡ ንዝኾነ ይኹን ምጥቃዕ ይኹን ጎበጣ ንምምካት ብሓድነት ደው ክብል እዩ።
ጻውዒትና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፤
1. ግዝኣት ኤርትራ ወይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ንምሓዝ ይኹን ምውናን፡ ብወደብ ዓሰብ ይኹን ወይ ብኻልእ ወደብ ትገብሮ ጠለባት ደው ከተብል።
2. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩሉ ተጻባኢ ተግባራትን መደረታትን ከተቋርጽ።
3. እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ናይ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፍልጦ ዝሃቦ ውጽኢት ናይ 1993 ረፈረንደምን፡ ልዑላውነትን ኤርትራ ከተኽብር።
4. ንመጻኢ ጠንቂ ናይ ዝኾነ ግርጭት መታን ከይከውን፡ እቲ ብኮሚሽን ጉዳይ ዶብ ሓንሳብን ንሓዋሩን መፍትሒ ክረክብ ዝተበየነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብህጹጽን ከተተግብር።
5. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትና ዘሎ ፍልልያት ንምፍታሕ እቲ እንኮ ኣማራጺ ሰላማዊ ዘተ ምክያድ ምዃኑ ቃል ክትኣቱን፡ እዩ።
ጻውዒትና ንመንግስቲ ኤርትራ
ልኡላውነት ኤርትራ ብዝበለጸ ዝዕቀብ ብሓድነትን ድሌትን ህዝቢ እምበር- ብሕቡእ ውዕላትን፡ ብተጋራጫዊ መልእኽትታት፡ ወይ እውን ብሓደ ሸነኻዊ ወተሃደራዊ ፍልመተበግሶን ከምዘይኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ ነዘኻኽር።
በዚ መሰረት መንግስቲ ኤርትራ፤
1. ንኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ወይ ናይ ባሕሪ ጠለባታ ዝድግፍ ወይ ምውናን ዘኽእል ተባሂሉ ክትርጎም ዝኽእል ኩሉ ፖለቲካዊ ምልክታት ወይ ምቅርራብ ደው ከብል፥
2. ምሉእ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብግልጽን ብዘየጠራጥር መንገድን ደጊምካ ምርግጋጽ። ንዝኾነ ባዕዳዊ ጠለብ ናይ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ናይ ምውናን ባህግታት ምንጻግ።
3. ምሕንጻጽ ዶብ ብዝምልከት ተጋራጫዊ መግለጺታት ካብ ምውጻእ ምቑጣብ-ሓንሳብ ከም ቁምነገር ዘይብሉ ጌርካ ምውጋድ፡ ካልእ ግዜ ድማ ከም መመኽነይታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ። መርገጺ መንግስቲ ስሩዕን፡ ግሉጽን፡ ምስ ዘላቒ ሃገራዊ ረብሓና ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ።
4. "ከይቀደሙና ንቐድሞም" ብዝብል ምስምስ ምትኹታኽ ዝፈጥር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውጋድ። መርገጽ ህዝቢ ኤርትራ ተኻላኻልን፡ ሕጋውን፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝቕየድን እዩ።
5. ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምእታው ይኹን፣ ኣብ ዕጥቃዊ ወተሃደራዊ ግጭታቶም ካብ ምስታፍ ምቑጣብ።
6. ኣብ ኩሉ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ምስ ህዝቢ ብግልጺ ምውሳእ። ዝውሰዱ ውሳነታት ናይ ውሑዳት ሕሳባት ዘማልኡ ዘይኮነስ ድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቑ ምዃኖም ምርግጋጽ።
7. ምዕፋን ፖለቲካዊ መሰላት ኤርትራ ደው ክብል፡ ምክልኻል ዶባትና፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጻውዒታት ንምዕፋን ከም መመኽነይታ ክውዕል የብሉን።
ጻውዒትና ናብ ህዝቢ ኤርትራ
ንኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን፡-
1. ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ኣብ ምክልኻል ናጽነትና ብሓድነት ደው ንበል።
2. ኣብ እዋን ግዳማዊ ስግኣታት፡ ሃገራዊ መርገጽና ዘዳኽም ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ምፍልላያት ምንጻግ።
3. ልኡላውነትናን መሰል ህዝብናን ዘጠናኽር ሕጋዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምድጋፍ።
4. ድምጽና ኣብ ሙሉእ ዓለም ንኽስማዕ፡ ኣብ ህዝባዊ ንጥፈታት ማለት ብመራኸቢ ብዙሓንን፡ ብዲፕሎማስን ብሰላማዊ ምልዕዓልን ምንጥጣፍ።
5. ታሪኽናን ሓድጊታታናን መታን ክዕቀብ፡ ሓቅነት ቃልስና ንናጽነትን ሓርነትን ናብ መጻኢ ወለዶ ምትሕልላፍ።
6. ሓቀኛ ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል ምልካዊ ምሕደራ ብምስራዝን፡ መሰልን ናጽነትን ክብረትን ኩሉ ዜጋ ዘውሕስ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትካል ጥራይ ኢዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ምሓዝ።
ጻውዒትና ናብ ማሕበረሰብ ዓለም
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኩለን ፈተውቲ ሰላም ሃገራትን፤
1. ብናይ ኣህጉራዊ ሕግን: ብጹዕነት ኣፍልጦ ዝረኸቡ ዶባት ምድጋፍ።
2. ግዝኣታዊ ቁመና ኤርትራ ብሓይሊ ይኹን ብግዴታ ንምቕያር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ምኹናን።
3. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠሩ ግጭታት ብዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምድጋፍ።
4. ዘላቒ ፍታሕ ናይ ዶብ ግጭት ንምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽ ተግባራዊ ክኸውን ምድጋፍን።
5. ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ንልዑላውነት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባርን፡ ብሰላማዊ ዘተን ሓባራዊ ስምምዕን ጥራይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል፡ ድሌትን ድልውነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ።
መደምደምታ
እዚ ኣዋጅ‘ዚ መብጽዓ እዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ንመሸጣ፡ ንዘተ ወይ ንዋጋ-ዕዳጋ ኣይወርድን። ብሓድነትን ክብርን ቆራጽነትን ክንከላኸለሉ ኢና። ቃልስና ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ናጽነትና ክድምስስ ዝደሊ ፖሊሲ ይኹን ተግባር እዩ።
ናጽነትናን ልኡላውነትናን: ዘለኣለማውን ዘይስበርን እዩ!
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ — መስከረም 23, 2025 (ካልኣይ ሕታም)
ቅዳሕ ናብ፤
1. ክቡር ማርኮ ሩቢዮ – ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
2. ክብርቲ ይቨት ኩፐር – ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዓባይ ብሪጣንያ
3. ክብርቲ ኣናሌና ባርቦክ – ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት
4. ክቡር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ – ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ
5. ክብርቲ ካያ ካላስ – ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ንጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን
6. ክቡር ፊሊፖ ግራንዲ – ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት
7. ክቡር ቮልከር ቱርክ – ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት
8. ክቡር ዶክተር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር – ፍሉይ ጸብጻቢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ