ናይ ኣስመራ ካቶሊካዊ ሊቀ-ጳጳስ ኣባ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ዝርከብዎም ናይ ሰበኻታት ባረንቱን ከረንን ሰገነይትን ጳጳሳት ኤርትራ: ኣብ ናይ 2019 በዓለ ትንሳኤ መልእኽቶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኰይኑ ዕርቀ-ሰላም ብምግባር  “ቈራጽን ታሪኻውን ለውጢ” ክገብር ኣሎዎ ኢሎም። ኣስዒቦም’ውን፡ “ምስ ጐረቤት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጥና’ውን ናይ ሕንጸትን ሕውየትን ሓዲሽ እዋን’ዩ ኣርኪቡና ዘሎ…. ምእንቲ ከይንጠፍእ፡ ዕርቅን ምሕረትን ነምጽእ” ዝብል ተሪርን ሓያልን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

Caaaaaaaaaaaaaaaaaaaaa600x230

ሓዋርያዊ መልእኽቲ 4 ጳጳሳት ኤርትራ፡ ንዝሓለፈ ዛዚምካ ናብ ዝመጽእ መደብ ንምስግጋር፡ መደብ ዕርቀ-ሰላም (national reconciliation) ክእወጅ ከም ዘድሊ፡ እሞ ነቲ “ናይ ሓቅን ዕርቅን መደባት” ዝመርሕ ኣሳታፊ ዝኾነ ሃገራዊ ኣካል ክቐውም ከም ዝግባእ ድሕሪ ምጥቃስ፡  “ቀንዲ ስርሑ ነቲ ኣብ ወጥርን ስግኣትን ዘሎ ኲነታት ኣልጊሱ፣ናይ ምቅርራብን ምዝርራብን መንፈስት ከበጋግስ” ምዃኑ የብርህ። እዚ ግድነት ክብጻሕ ዘሎዎ ዕርቀ-ሰላም “ገለ ዝረብሓሉ ገለ ኸኣ ዚግለለሉ ዘይኮነስ፡ ብሓንሳብ ኰንካ ናይ ዝሓለፈን ዝመጽእን ሓላፍነት ተሰኪምካ” እተኣትዎ ምዃኑ ብብሩህ ሓረጋት ተገሊጹ።

ኣብ መእተዊ ናይዚ መልእኽቲ፡ ናይ ኣይረሳዕናኩምን ሰላምታ ናብ ኲሎም ዝሓለፉን ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡን ኤርትራውያን ድሕሪ ምቕራብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል፡ “እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተፈጸመ፣ ኹሉ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበርናዮን እተሳቐናዮን እናሓሰብና፡ ስቕ ክንብል ብርግጽ ዘይከኣልን፣ እቲ እተዋህበና መዝነት ዘየፍቅዶን ኢዩ። ነዚ ንኽንገብር ዚድርኸና ድማ ፍቕሪ ህዝብናን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎና ሓላፍነትን ደኣ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይኮነን።” 

መልእኽቶም ነቲ ብሰነ 2018 ምስ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እተጀመረ ናይ ሰላም መስርሕ ድሕሪ ምጥቃስ፡- “ሰላምን ራህዋን ብዘምጽእ ኣገባብ፡ ኩሉ ዶባት ብዝቐልጠፈ ተሓንጺጹስ፡ ኽልቲኡ ወገን ዕለታዊ ሃለዋቱን ርክባቱን፡ ናብ ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዳግም ዝምለሰሉ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ዝሕደሰሉ መድረኽ ክመጽእ ንጽሊ፣ እዚ ንክኸውን እናተመነና ድማ፣ ነዚ ዘሰናኽል ዝኾነ ይኹን ስምዒታውን ወገናውን መዳይ ተወጊዱ፣ ብሰፊሕ ልቦናን ብናይ ረብሓ ህዝቢ ቅድምናን ኪርኤ ሓደራ ንብል።….ምስ ግዳማዊ ሓይሊ ክንዕረቕን ሰላም ክንጭብጥን ዘይፈራሕና፡ ምስ ርእስና፡ ምስ ናትና ከፍርሓና የብሉን” ይብል።

እዚ 30 ገጻት ዝሓዘ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቡናት ኤርትራ (ማለት ኣቡነ መንግስተኣብን፡ ኣቡነ ቶማስ ዖስማንን፡ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮን፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስን)  ንዝነበረን ንዘሎን ቃንዛ ናይ ኲሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ “ዘይጽወርን ዘይንቡርን” ሃለዋት ዝነበሩን ዘሎዉን ደቂ ሃገርር ብዝርዝር  ድሕሪ ምስትንታን፡ ካብዚ ዘሎናዮኸ ብኸመይ ንወጽእ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ዕምቈት ዘሎዎ ትርጉም ናይ ዕርቂ ሰለም፣ ህንጸት ሃገርን መደብ ዕርቅን፣ ፍትሕን ኣገባብ ምሕረትን፣ ትርጉም ሓቅን ሰላምን፣ መሰልን ናጽነትን ኣህዛብ ጠቒሱ ሰፊሕ መግለጺ ይህብ።

ከምቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” (2014)፣ ”ነዛ ሃገር እግዚኣብሄር የፍቅራ ኢዩ” (2001)፣ “ሰላምን ምዕብልናን” (1991) ወዘተ ዝኣመሰለ ዝቐደመ መድረኻዊ መልእኽትታኣቶም፡ እዚ ናይ ሎሚ ምልእኽቶም’ውን ብኹሉ ንሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር ዜጋ ክንበብን ኣቓልቦ ክወሃቦን ዘሎዎ እዋናዊ ጻውዒት ኢዩ። (መርበባት ሓበሬታ ተወከስ።)    

ናጽነትን ሉዑላውነትን ሕዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ምስ ተረጋገጸ፣  ኤርትራ ብዓለምለኸ ከምሉዑላዊት ሃገር ምስተፈልጠት፣ድሕሪኡ ዝሰዓበ እቲ ክኽወን ዘነበሮ መእዋጅ መረታዊ ዶብን፣ ኣቋቁማ ሃገረ ኤርትራን፣ ኣቋቁማ መንግስታዊ ቅርጻን፣ ሕዝባውን ግላውን ትካላት፣ በብመዳዩ ማለት ፖሊቲካውን ፣ምጣነሃብታውን ፣ማሕበራውን ንባህርያዊ ክብረታት ዚጋታት ኤርትራ ማዕረን፣ፍትሕን፣ ሰላምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተው ኣጀማምራ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ መን ዘምጻልካ ናጽነት ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ፈቲኻ ጸሊእካ ንሕና ኢና ንገዝኣካ ብዝብል ትምክሕታውን ጸብለልታውን ስለዝነበረ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምኽባርን፣ ንሕልና ወዲ ሰብ ዘቈጥዕ ባርባራዊ ተግባራትን፣ሕዝቢ ኤርትራ ሓሳባቱ ብነጻ ዘይምግላጽን፣ ናይ እምነትን ሓርነትን ምስኣኑ ብሰንኪ እዚ ኣተሓሳስባ ኢዩ።

 ናይ ኤርትራውያን ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ታሪኽ ( The Historical Idea of Eritrean Nationalism) ድሕሪት ተመሊስና ማለት ካብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ሓምሳታት ቀጺሉ ኣብ ናጽነታዊ ቃልሲ፣ ድህሪኡ ድማ ድህሪ ናጽነት ይኹን ክሳብ ሕጂ ዝወረስናዮ እዚ ድሑርን ዘይስልጡንን ኣተሓሳስባ ኢዩ፣ከም ሕዝብን ሃገርን ናይ ሓድሕድ እምነት ስኢና ንሕዝብና ክንመርሕን ክንምራሕን ኣይከኣልናን፣ ግዳያት ውሁዳት ባእታት ኰና ድማ እዚ ዘሎናዮን ዘሕለፍናዮን ግዜ እኹል ምስክር ኢዩ። ካብዚ ባርባራዊ ስርዓት ክንገላገል ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታትን ኣተሓሳስባን ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ፣፡

 ያኣክል ምልክነት ካብ ንብል እኳ ሓደ 27 ዓመታት ሓሊፉ ዝሰምዓና ድኣ ስኢና፣ ሕጂ እውን ኣይደንጐየን ማዕበል ያኣክል ብወገነይ ብምሉእ ዕግበት እድግፎ። ነዚ ጻዋዒትዚ ናብ ክውንነት ንምልዋጥ ግን ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ኣብ ኣድማሳዊ መሰላትን፣ ክብርታት ሕዝብታት ኤርትራ፣ ብማዕረ ካብ ናይ ትምክሕትን ኣግላልን ኣረኣእያ ነጻ ኩይኑ ምስ ዝውደብ ኢዩ ዕዉት ዝኸውን፡፤

ሎም ቅነ ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ምልዕዓላት ኣብ ወጻኢ በብሃገሩ ዝነኣድ ኢዩ፣ ኣብ ሕዝብና ድማ ተሰማዕነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ፣ ከምቲ ናይ 2001 ውልዕ ኢሉ ከይጠፍእ ግን ክንህመል የብልናን፡፤እወ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደምክራስያ ብዙሕ ሓጐጽጐጽን መሰናኽላትን ዘመልኦ ኢዩ።

ናህና ቃልሲ እውን ካብዚ ዕንቅፋታት ነጻ ኣይኮነን፣ ሎሚ ቃልስና ኣብ ባይታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብማሕበራዊ መራኸቢ ሰለዝኾነ መን ምስ ኣንጻር መን ይቃለስ ናይሓድሕድ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣብ ዘይተረጋገጸ ሓበረታ እናተመርኰስካ ብበላ በለው ሓድሕድ ምንዕዓቅን ምንእኣስን ስለዝበዝሖ ወኒ ናይ ቃልስኻ ዝቀትል መርዛም ኣዘራረባ ይፍኖ ኣሎ፣ ገለ ባእታት ከም ፈላጣት ፍልጠቶም ድማ ኣብ ሰባት ኣብ ምጽልላም ጥራሕ ተሓጺሩ፣ ትምህርታዊ ዘይኮነ 24 ሰዓት ኣብ facebook ሃተፍ ተፍ ክብሉ ዝውዕሉ ኣለዉ እዚኣቶም ንጻዋዒት ያኣክል ዕንቅፋት ኢያቶም።

መስርሕን ኣወዳድባን "ጻዋዒት ያኣክል" ኣብ ባይታ በብሃገሩ ተጀሚሩ ዘሎ ንኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ንምብጻሕ ቃልሱ መጀመርያ ነፍሱ ወዲቡ፣ መጀመርያ ንምልካዊ ሰርዓት ካብ ሱሩ መንቊሱ፣ ካልኣይ ድማ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንጽባሕ ኤርትራ ስማዊ ደሞክራስያን ፍትሕን ዘይኮነ ግብራዊ ውዕል ቅዋም ሃገር ብኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ተቀባልነት ዘለዎ መሰል ኩለን ብሔራት ምኽባርን ፍትሕን ሰላምን ጸጥታን ዘውሕስ መንግስታዊ ትካላትን፣ ነጻ ቁጠባውን፣ማሕበራውን፣ ባህላውን፣ ሲቪላውን፣ ፖሊቲካውን መሰላት ዝኽበር ው ዕል ባይታ ክፈጥር ድማ ካልኣይ መደብ ቃልሲ ናይዚ ጻዋዒት ያኣክል ክኽወን ኣለዎ፣ ከምቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ኣፈላላዪ መን ዘምጻልካ ሓርነት ኢኻ ትዘራብ ዘሎኻ እንተ ድኣ ኮይኑ ከይዱ ከይዱ ተሓጺብካ ኣብ ምልክነት ምምላስ ኢዩ ዝኸውን መኽሰቡ፣ ኣብዚ ግዜዚ ገለገለ ባእታት ሓደ ዞቦ ኤርትራ ጥራሕ ኢዮም ዝቃለሱ ዘለዉ ዝብል ናይ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝንዛሕ ንጥቅሚ ኩልና ኣይኮነን፣ሰለዚ በዞም ከምዚ ዝብሉ ክንድሃል የብልናን፣ በብዞባና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምልዓል ኣዎንታዊ ኢዩ፣ ምእንቲ ንካልኦት  እውን ኣብነታዊ ክኸውን ግን፣መስርሕ ዘተ፣ ዕርቂ፣ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ክራኸብን፣ እናኣትኣተወን፣ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ክቃለስ ኣለዎ፡፤ ውሽጣዊ ግርጭታት ብሰላማዊ መገዲ ዝፍትሓሉ ትሕተ ቅርጻ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሕሰበሉ ኣለዎ፡፤ ናይ ቅድም ደም ምፍሳስን፣ ሓድሕድ ውግእን ዝነበረ ጠባይ ናይ ጥርጠራን፣ ዘይምትእምማንን ተሪፉ፣ ኣብዚ ግዜዚ ካብ ተመክሮናን ተመክሮ ካልኦት ሃገራትን ተማሂርና ዘተ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ኢዩ ትምህርታዊ መጽናዕትታት ኣህጉራዊ ትካል ንደምክራስያውን፣ ምርጫውን ስቶክሆልም ( IDEA) ዝመደበሩ ከምዝምስክሮ፣ ንሕና ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ካብዚ መጽናዕታትዚ ክንቀስም ይሕግዘና ኢዩ፡፤

ቐንዲ ኣትኩሮና ነዚ ብሓዲሽ ወለዶ ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ጻዋዒት ፣ ያኣክል፣ ናብ ሰናይ ምእንቲ ክቅንዕ ብሓሳብ ይኹን ብግብሪ ንሕና እቶም ብዕድመ ዝደፋእና ተመክሮን ምኽርን ብምልጋስ እጃምና ነበርክት፡፤ እወ ልክዕ ኢዩ ሉዕላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣሎ እዚ ድማ ብናይ ሓደ ውልቀ መላኺ ስርዓት ዘይኮነስ ብናህና ምዝሕታልን ኣብ ሓድሕድ ቁርቁስ ስለዝነበርናን ዘሎናን ኢዩ ሰለዚ መጀመርያ ነዚ ጠባይ ናይ ሓድሕድ ተጻቦኦታት ነፍሰ ወከፍና ካብ ሕልናና ነውጽኣዮ፡፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝፍጠር ኣብ ምዝራግን፣ ተጻብኦን፣ ሕግታት መሰላት ሕዝብታት ዝነጽግ ፣ ኣብ ምግህሃር ውግእን ወረ ውግ እን ዝነብር ስርዓት ምዃኑ ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ኢዩ፡ ካብዚ ባህርያት ጸረ ሰላም ድማ ክወጽእ ኣይኽእልን፣ እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ዝብል እውን ሽፋን ኢዩ እምበር ሓቀኛ ሰላም ኣይኮነን ድሮ እኳ ምልክታት ሓቀኛ ዘይምዃኑ ይርኤ ኣሎ። መራሕቲ ያኣክል ጻዋዒት ብቅልጡፍ ዝምድና ምስ ሕዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን በቲ ሓቀኛ መንገዱ ክኸይድ ክረባርቡ ኣለዎም ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ማዕበል ንደምክራስያዊ ለውጢ ብኣዋጅ ክድግፉ ኣለዎም።

ጻዋዒት ያኣክል ኣንጻር ምልክነት እናተቃለሰ ምሕዝነት ምስ ጉረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን  ናይ ምምሃዝ ዓቅሙ ከልዕል ኣለዎ ምኽንያቱ እዚ ዞባውን ኣህጉራውን ምሕዝነት ኣብ ምውዳቅ ምልክነት ዓብይ ተራ ኣለዎ፡፤

መቆምያታት/ መሪሕ- ሓሳባት/ Principles ጻዋዒት ያኣክል እንታይ ክኸውን ኣለዎ። መሪሕ ሓሳባት ናይ ያኣክል

  1. ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምፍጣር 2. ኣብ ናይ ሓባር ጥቅሚ ምትኳር 3. ምትሕልላይ  4. ምኽብባር

እምበኣር በዚ መቆምያታት/ Principles ተማእዚዙ ዝኸይድ ቃልሲ ዓወቱ ናይ ግድን ሰለዝኾነ፣ ጻዋዒት ያኣክል ኣትኮሮኡ ኣብ ጽፋፍን ቀጻልን ስትራተጂ ኣብ ምውጣን ኮይኑ ነዚ ሕዝብና ብጅምላ ዘሳቂ ዘሎ ምልክነት ኣልጊሱ ደሞክራስያዊ ዝኾነ ማሐበረ ሰብ ንምሕናጽ ክረባረብ ኣለዎ፡፤

ውከሳ ጽሕፋት

  1. IDEA, Democracy Capacity building
  1. Universal Human Rights
  1. International Conventions on Economic, Social and Cultural Rights
  1. International Conventions on Civil and Political Rights

ብ24 ማዝያ 2019፡ 400 መንእሰያት ዝተሳተፍሉ 2ይ መድረኽ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ምስዚ ጉዳይዚ ብዝዛመድ፡ ኣፍሪቃ ብዛዕባቶም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ዘይምቕላባ ዘዘኻኽር ኤርትራዊ መልእኽቲ ናብ  ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ መሃመት ፋቒ ቀሪቡ።

እዚ ን4 መዓልታት ዝቐጸለን በቶም ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኸፍተን ርክብ መንእሰያት ኣፍሪቃ  “ሓደ ሚልዮን ኣብ ናይ 2021 ተበግሶ” ብዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ ነቲ 4E ((Employment/ስራሕ, Enterpreneurship/ዋንነት, Education/ትምህርቲ and Engagement/ተሳትፎ) ንረብሓ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝብል ሓሳባት ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ።

African Union Asked to Consider Plight of Scattered Eritrean Youth

እቲ ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣቶ ሙሳ መሓመት ፋቂ ዝተላእከ ናይ ሰዲህኤ መዘክር፡ ነቲ ተበግሶ ንኢዱ፡ እንተኾነ  ኣብ ኤርትራ ይፍጠር ንዘሎ ማሕበራዊ ብርሰት ቆላሕታ ዘይምሃቡ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መዘክር፡ ኣብዚ እዋንዚ መጽናዕትታት ከም ዘረድኦ ኣስታት 2 ሚሊዮን ኤርትራውያን መብዛሕተኦም ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ወጻኢ ካብ ሃገሮም ፋሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዞም መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክሳብ ዘይተወገደ፡ በቲ 4E ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝብል ተበግሶ ናይ ምጥቃሞም ዕድል ርግጸኛ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

መዘክር ሰዲህኤ ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ከቕልበሉ ክሕበሮ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣስዒቡ ድማ እቲ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ክሳብ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከይተረፈ ዝኽሰሱ ኣባላት ገዛኢ ጉጅለ፡ ኣብ ቅድሚ ተሓታትነት ከቕርቦም እቲ ግቡእ መስርሕ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።

እቲ ሕርቃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ ኣብዚ መልእኽቱ ሕብረት ኣፍሪቃ  ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብተደጋጋሚ ክቐርብ ንዝጸንሐ  መጸዋዕታታት ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለዘመን ጸማም እዝኒ ብምሃቡ ዝተሰምዖ ሓዘን ጠቒሱ። ብምቕጻል ከኣ  እቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ዘይጠዓስ ኣካይዳ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ሕማቕ፡ ኣቐንዛዊ፡ ሰላም ዘይህብን ጸጥታ ዝዘርግን ኩነታት ክመርሕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ።

 

BBC 1 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ናይ ምስሊ መግለጺ ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን

ንዘመናት ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዓለም ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጂኦስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱ፡ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ሓያላት ሃገራት ዓለምን፡ ኣተኲሮ ሃገራት ናይቲ ዞባን ስሒቡ ከም ዘሎ ዘርእዩ፡ ሓያሎ ምዕባለታትን መናውራታትን ይራኣዩ ኣለዉ።

ትማሊ ሰንበት፡ ብኣሳሳይነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብጽሒት ዘለወን ሃገራት ናይቲ ዞባ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ዝዝቲ ኣኼባ ኣካዪደን።

ኣብቲ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ ማለት፡ ኤርትራ፤ ጂቡቲ፤ ሶማልያ፤ ሱዳን፤ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፤ የመን፤ ግብጺን ዮርዳኖስን ተሳቲፈን።

ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝተገብረ ተመሳሳሊ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግን ኤርትራ ርዱእ ብዘይኮነ ምኽንያት ኣይተረኽበትን።

ብወገን ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ንጡፍ ምንቅስቓሳት

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ተገዳስነት መንግስቲ ኤርትራ እናዓበየ ምምጽኡ ዘርእዩ ንጥፈታት ክካየዱን፡ ዝተፈላለዩ ምስ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝተተሓሓዙ መግለጺታት ክዋሃቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብ23 መጋቢት መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘስፈረቶ "ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን 'ሰላምን ርግኣትን' ቀይሕ ባሕሪ" ዝብል ሓተታ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ንፓሊሲ መንግስቲ ዘመላኽቱ መግለጺታት'ዩ።

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይዚ ሓተታ፡ ኣብቲ "ተኣፋፊ ክፋል ቀይሕ ባሕርን ላቔባታቱን ዘለዋ ሃገራት" ሓያልን ካብ ጸግዒ ካልኦት ናጻ ዝኾነ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ክምስርታ ዝጽውዕ'ዩ።

"ብፍሉይነት" ድማ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርህ እቲ ሓተታ። ሰለስተ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ግብጺን ዮርዳኖስን ግን ኣብቲ መግለጺ ኣይተጠቕሳን።

ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድናኣ ሻሕኪሩ ብምንባሩ ኣብቲ እማመ ብቐጥታ ኣይተጠቕሰትን።

ግብጺ ድማ፡ እቲ ዘለዋ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ፡ ንሚዛን ናይቲ ዝቐውም ሓይሊ ባሕሪ ይኹን ዝእቶ ኪዳን፡ ከዘንብሎ ይክእል ይኸውን።

ዋላ'ኳ እዞም መግለጺታት እዚኣቶም ሕጂ ይወሃቡ፡ ኤርትራ ምስቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምትሕባባር ካብ እትጅምር ቀኒያ'ያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ንእግረመንገዱ ህላወ ወታሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ተኣሚኑ'ዩ፡ ዋላኳ እቲ መዓስከር ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ እንተኾነ።

§  ኤርትራ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን-ድልየታት ኢትዮጵያን

§  ኣዱሊስ፡ "ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ኣርኪኦሎጂካዊ ፓርክ" ክትከውን ትዳሎ

BBC 2

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Image copyright AAK ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ ተንታኒ ቅልውላዉ የመን

ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣሕመድ ኣለቀይሲ ከም ዝብሎ፡ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ኪዳን ክሳብ ዝኾነት ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክትገብር ዘገርም ከም ዘይኮነ ብምሕባር፡ መደበር ታዕሊም ናይ ሓይልታት ናይቲ ኪዳን ምህላው ከም ዝፈልጥ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጸጥታዊ ስግኣታት ቀይሕ ባሕሪ ኣዮኖት'ዮም?

ቀይሕ ባሕሪ ዳርጋ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ንግዲ ማሪታይም ዝሓልፈሉ ስትራተጂካዊ መስመር'ዩ። ኣደጋስነቱ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዂዓት ስዊዝ ካናል፡ መራኽብ ኣውሮጳ ነቲ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ) ተጠውየን ዝኸድኦ ዝነበራ ጉዕዞ ኣዝዩ ስለዘሕጸሮ፡ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ዓብዩ'ዩ።

ብቐረባ ግን ኣብ ጎዶቦ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ናብ ምዕራብ ዝሰድኦ ነዳዲ ብኡ ስለዝሓልፍ ንኣገዳስነቱን ተነቃፍነቱ ዝያዳ የዕዝዞ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ መስመርን ደቡባዊ ኣፍደጊኡን ውሕስነት ክረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ማለት'ዩ።

ወጥሪ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ

ኣብቲ ኣብ ሱዕዲ ዝተገብረ ዋዕላ ዝቐረበ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝገለጾ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ዞባዊን ዓለማዊን ምትእትታዋት ኰነ ዕንደራታት ዝተፈጥረ ኣራግጽን ሕልኽላኻቱን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነት'ዩ ፈጢሩ ዘሎ"።

ይኹን 'ምበር ይብሉ ተንተንቲ፡ ኤርትራ ንባዕላ፡ በቲ ክትወስዶም ዝጸንሐተ ተቐያያሪ መርገጺታትን ዝምድናታትን ኣካል ናይቲ "ኣራግጽ" ኮይና ትርከብ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ሃያማኖታዊ ሰረት ዘለዎ ኾይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ተኸታሊት ሱኒ (ዋሃቢ) ዝኾነት ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ሺዓ ኢራንን ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ዘንቀሎ ህልኽ'ዩ።

ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ ምሁር ፓለቲካዊ ስነፍልጠት ኮይኑ፡ መሰረት ናይቲ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብን መናውራታትን ካብዚ'ዩ ዝብገስ በሃላይ'ዩ።

"ክልተ ዓንኬላት ዞባዊ ሓይልታት ኣለዉ፡ እቲ ቀዳማይ ዓንኬል ብቱርኪ፤ ኢራን፡ ቐጠር፡ ከምኡ'ውን ሱዳን ዘለውዎ ኮይኑ፡ እዚኦም ብኣሕዋት ሙስሊሚን ዝኽተልዎ ፍልስፍና ዝተጸልወ ኣካይዳ ኣለዎም ተባሂሎም ዝግምገሙ'ዮም።

"ኣብቲ መሳልል ናይቲ ሕሉፍነት ወይ ኣኽራርነት እንተ ሪኢናዮ፡ ኣልቃዒዳን ዳዒሽን ኣብቲ ጫፍ ኣለዉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል"።

እቲ ካልኣይ ዓንኬል ድማ "ብሱዕድን ኢማራትን ዝተማእከለ ኮይኑ፡ ምናልባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም መሻርኽቲ ኣብኡ ኣለዋ" ይብል ዶ/ር ኣዳነ።

ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ መወዳእታ እዋን፡ ናብ ሱዕዲ ገጹ ክዛዙ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝግበኦ፡ ሱዳን ኣባል ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምዃና እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ንምርዳእ ይካኣል።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኩዌት፡ ግብጺ፡ ባሕሬን ዝበላ ሃገራት ንመስመር ሱዕዲ ዝኽተላ ክኾና እንከለዋ፡ በቲ ሓደ ጫፍ ድማ ሶርያ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ጉጅለ ሕዝቡላህ ምስ ኢራን ዝወገኑ'ዮም።

ርእሳ ኪኢላ ኣብቲ ዞባ ሓያል ጽልዋ ክህልዋ ትኒዕ ትብል ዘላ ቱርኪ ብወገና፡ ነተን ካብ መስመራት ኢራንን ሱደዕን ወጻኢ ዘለዋ ወይ ድማ ድኹም ምትእስሳር ዘለወን ዝበለተን ሃገራት ናብኣ ንምቐራብ ፈተነታት ከተካዪድ ትረአ'ያ።

እታ ብብዝሒ ህዝብን ጆግራፊን ንእሽቶይ ዝኾነት፡ ብገንዘብ ዝተሰርነቐት ቐጠር ድማ፡ እቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ዓንኬል ምስ ኣወገናን፡ እገዳታት ምስ ገበረላን ምስ ቱርኪ ክትጽጋዕ ተገዲዳ'ያ። ቐጠር፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ምስ ኢራን'ውን ዝሓሸ ርክብ ዘለዋ ተባሂላ'ያ ብጎረባብታ ትሕመ።

ቱርኪ ንቐጠርን፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ከም ሱዳን ሶማልን ዝበላ ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት፡ እግሪ ክትተክል እትገብሮ ዘላ ሃቐነ ንሱዕድን ደገፍታን ቅሳነት ኣይሃበንን።

ኤርትራ ንቱርኺ፡ ቐጠርን ሱዳንን ዝጥቅን ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምውጽኣ ነዚ ናይ ቱርኪ ኣብቲ ከባቢ ምቕልቃል ዝቃወም'ዩ ክበሃል ይከኣል'ዩ።

ኣብቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኣቦ መንበር "ኣስላማዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ" ኢሉ ዝጠቐሶ መራሒ ቤት ምኽሪ ዑለማእ ኣስላም ኤርትራ ዝተባህለ ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተት ብምንቃፍ፡ እቲ "ውዲት...ምወላን ኣገልጋልነትን ቐጠርን" ብሓደ ወገን፡ "ኣሳሳይነት" ናይቲ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን ድማ በቲ ካልእ ከም ዘለዎ ይውንጅል።

ሰለስቲአን ሃገራትን፡ እቲ ዝተጠቕሰ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ሊቃውንቲ ኣስላም ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ'ዮም።

ግጭት የመን

ግጭት የመን ድማ እዞም መስመራትን ቃልኪዳናትን ዝቃለስሉ ግልል ዝበለ ቦታ ኮይንዎም'ዩ። እቲ ንግጭት የመን ከም ዝጋደድ ዝገበረ፡ ምትእትታው ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተጸንበረቶ ወታሃደራዊ ኪዳን'ዩ።

እቶም ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱ፡ ጉጅለ ሑቲ ነቲ ኣብ 2011 ብ"ቀውዒ ዓረብ" ዝተወለዐ ናብ ጎነጽ ዘምረሐ ፓለቲካዊ ቅልውላው ብምምዝማዝ ወይ'ውን ብምብጋስ'ዮም ንርእሰከተማ ሰንዓ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ከባቢታት ክቆጻጸሩ ኪኢሎም።

እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ'ዩ ተኪእዎ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ።

§  ዘይዛሪ ቅልውላው የመን

ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢ ተላዒሉ፡ ኣብ መጀመርታ 2015 ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም።

BBC 3

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Image copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን፡ ኣብ መጋቢት 2015 ኣብ የመን ምትእትታው ጀሚሩ

ጉጅለ ሑቲ ዘዪዲ ዝተባህለ ምስ ሺዓ ዝቀራረብ እምነት ምስልምና ዝኽተሉ'ዮም።

ይኹን 'ምበር፡ ሱዕዲ እቲ ጉጅለ ብኢራን ዝድገፍ'ዩ ኢላ ስለ እትኣምን፡ ኣብ 2015 ቀጥታዊ ወታሃደራዊ ምትእትታዉ ብምግባር፡ ንሰራዊት ናይቲ ካብ ሰንዓ ዝተባረረ ሰራዊት መንግስቲ ብምድጋፍ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ከተካዪድ ጸኒሓ።

§  ቅልውላው የመን ኣበይ ኮን ይውዳእ ይኸውን?

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዘሎ ብወግዒ ክእመን ከሎ፡ ነቲ ምሩዃት ኲናት የመን ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ክሲ ግን ነጺግዎ።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ኤርትራ ንኣሸበርቲ ጉጅለታት ዳዒሽን ኣልቃዒዳን ከም እትድግፍ ዝገለጾ ክሲ ዝነጽግ መግለጺ ብሚኒስትሪ ዜና ወጺኡ።

ኣቶ ኣሕመድ ኣለቀይሲ ብወገኑ፡ እንተወሓደ፡ ምስቲ ናይ ሱዕዲን ኢማራትን ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንከምዚኦም ዝበሉ ጉጅለታት ከተአንግድ ኣይትኽእልን'ያ ይብል።

BBC 4

I

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

mage copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ጉጅለ ሑቲ ንርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ጥሪ 2015 ተቖጻጺሮማ

"ብዘይብኡ'ውን እቲ ስርዓት ኣብ ከምኡ [ምድጋፍ ኣሸበርቲ ጉጅለታት] ዝኣቱ ኣይመስለኒን" ኢሉ።

እንተኾነ ግን ይብል ንሱ፡ እቶም ኣብ ጎኒ መንግስቲ የመን ዝተኣኻኸቡ "ዳርጋ 90% ካብቶም ናይ መንግስቲ ሰራዊት እክብካብ'ዩ"።

"ኣብቲ ገማግም ባሕሪ፡ ኣብ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሳተፍ ዘሎ ሓይሊ፡ ሓደ ሰራዊት ኣይኮነን። ሰለስተ ሰራዊት ኣለዉ" ብምባል ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ የመን ከም ዘለዉ ይዛረብ።

§  ኩናት የመን፡ ኣብ ተስፋ ዕርቀ ሰላም

ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንኸምዚኦም ዝበሉ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ሱር ክሰዱ ዝገብር ምዃኑ፡ ንናይ ዓለም ሓይልታት ኮነ ናይቲ ዞባ ሓደገኛ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝፈጥር'ዩ

ቅርሰና (ፓይረሲ)

BBC 5

Image copyright Alamy

እቲ ኣብ ማያት ሶማልያ (ህንዳዊ ውቅያኖስ) እናወሰኸ ዝመጸ ተርእዮታት ቅርሰና፡ ኣብ ቀራና መስመራት ንግዲ ምፍጻሙ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይክኣል። ክምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ፡ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳን፡ ርሑቕ ምብራቕን ሓይሊ ባሕሪታተን ናብቲ ዞባ ብምውፋር ንመራኽብ ንግዲ ከሰንያ ዝተገደዳ።

እቲ ኩነታት ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀዪሕ ባሕሪ (ወሽመጥ ዓደን) ምግጣሙ ንርእሱ፡ ንቀይሕ ባሕሪ'ውን እቲ ሓደጋ ከንጸላልዎ ዘይተርፍ'ዩ።

ብፍላይ፡ እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍራስ መንግስትን፡ ወግእ ሓድሕድን ምስቲ ሶማልያ ንሰላሳ ዓመታት ዝሓለፈቶ ኩነታት ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ቅርሰና ንዘካይዱ ጉጅለታት ምቹእ ባይታ ዝፈጥር'ዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ እቲ ወሽመጥ ዓደን'ውን ውሕስነት ክረክብ ዝሕሰብ ዘሎ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሶማልያ ግድን ኣካል ናይቲ ዝፍጠር ውህደት ክትከውን ኣለዋ።

ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምውሳና ኣቓልቦ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ። ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈኦ ነዊሕ ደማዊ ኲናት ተኣሳሲሩ ምጥርጣር ፈጢሩ'ሎ።

ኢትዮጵያውያን ከም ዝብልዎ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ብቑጽሪ ህዝቢ ይኹን ቁጠባ እታ ዝዓበየት ምዃናን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይምርግጋእ እንተ ተፈጢሩ ቀንዲ እትህሰ ስለዝኾነት፡ ኣብቲ ማያት ህላወን ተሰማዕነትን ክህልዋ ኣለዎ በሃልቲ'ዮም።

§  ስለምንታይ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትህቅን?

BBC 6

Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER

ድሮ ኢትዮጵያ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ብምሻም፡ ትሕተ ቀርጺ ናይቲ ዝቐውም ሓይሊ ኣብ ምጥጣሕ ትርከብ ኣላ። ምስ መንግስቲ ፈረንሳ'ውን ምስ'ዚ ዝተኣሳሰር ስምምዕ ፈሪማ ከም ዘላ ይንገር።

እቲ ገና ፡ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ግን፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ'ዩ ክኸውን ዝብል'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ጂቡቲ እቲ መደበር ኣብ ባጽዕ ከም ዝኸውን ዝሃቦ ርእይቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ነጺግዎ'ዩ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ "ዝተወሃሃደ እዝን ቁጽጽርን" ዘለዎ ሓይሊ ባሕሪ ተሳታፍነት ዝህልዋ እንተ ኾይኑ፡ ጸኒሕካ ዝረአ ክከውን'ዩ።

ህላወ ዓበይቲ ሓይልታት

ከም በዓል ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ዝበላ ሃገራት፡ ንስትራተጂካዊ ረብሓታተን ክብላ'ውን ኣብቲ ዞባ ጉሉሕ ወታሃደራዊ ህላወ ኣለወን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ካብ ግዜ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ገዚፍ ወታሃደራዊ ህላወ ኣለዋ፡ ቀንዲ ሰፈር ማእከላይ እዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብኡ ምዃኑ'ውን መርኣያ ናይ እዚ'ዩ። እቲ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ዘካይድ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ'ውን ኣካል ናይዚ'ዩ።

ጂቡቲ፡ ብዘይካ'ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወታሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ፡ ናይ ቻይናን ጃፓንን ሰራዊት'ውን ኣአንጊዳ ትርከብ።

ህላወ ናይዞም ዓበይቲ ሓይልታት እዚኣቶም፡ ኣብቲ ዞባ ምክፍፋላት፡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምፍጣሮም ኣይተረፎምን።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-47883323

 

እቶም ሰብ ታሪኽ ዝኾኑ ዓደቦና  “-ኣውያት ግበር’ሞ፥ ሰብ ክእከብ ረዳኢ ከኣ ክርከብ-” ዝብል ምስላ ጸኒሑዎም’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፥ ዝኾነ ጸገም ክፍታሕ ዝኽእል፥ ሰብ ምስ ዝእከብን ምኽሪ ምስ ዝርከብን’ዩ ንምባል እዩ። ብርግጽ ድማ ንሕና ብታሪኽና ምስ ባይቶ-ዓደቦ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ከመይሲ ንኹሉ ጸገማት ክፈትሕ፥ ሕቶ ኅብረተ-ሰብ’ውን ክምልስ ዝጸንሐ፥ ባይቶ ዓደቦ ምዃኑ’ዩ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ።

ስለዚ’ውን ኣብ ኅብረተ-ሰብና፥ ባይቶ-ዓደቦ ዝለዓለ ተራ’ዩ ጸኒሑዎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ግና፥ ታሪኽ ባይቶ ዓደቦ ነበረያ ነበረ ከም-ዝበሃል፥ ኣሰሩ ደሊኻ’ውን ክርከብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘሎና። ብዝተረፈ ናይ ዕድል ነገር ግዲ ኮይኑ፥ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ባዕዳውያን ገዛእቲ መጺኦምን ከይዶምን ‘ዮም። ንክብሪ ባይቶ ዓደቦ ዝገሃሰ ገዛኢ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ ግና ኣይጸንሓናን። ካልእሲ ይትረፍ እቲ ኣብ 40-ታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ-መሥርሕ ሃገርና እንተረአና።

ሕዝብና ኣብቲ መጻኢ ዕድሉ ንክውስን፥ ክልተ ግዜ ቀሪቡሉ ዝነበረ ሕቶ። ኣብቲ ክልቲኡ እዋናት፥ እቶም ብመንገዲ ኅቡራት-መንግሥታት ኣቢሎም መጺኦሞ ዝነበሩ ሓተትቲ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ባይቶ ዓደቦኡ መጺኦም ደኣ’ዮም ዝሓተቱዎ እምበር፥ ናብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ጸዊዖም ወሲዶሞ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ 1991 ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ ግና። ንባይቶ ዓደቦ ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ ከኣ፥ ሕዝብና ኣፉ ስለ-ዝተለጉመ። ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡዎ፥ እንሆ ከም መሸላ እናሓረረ ክስሕቕ፥ ተገዲዱ ይርከብ ኣሎ።

ብዝተረፈ ከየብዛሕካን ከየውሓድካን ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ሃገርና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ትርከብ ምህላዋ፥ ብዙሓት ብዛዕባኣ ጽሒፎምን ተዛሪቦምን እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ’ዮም፥ ነቲ ሕጂ ዘሎዋ መንነት ንምግላጽ “-ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮርያ-” ዝብል ቅጽል ክህቡዋ ዝስምዑ ዘለዉ። እዚ ዝተዋህባ ቅጽል’ዚ ከኣ፥ ልክዕ ዝሰማምዓን ብዕቅና ከም-ዝተሰፍየን ክዳን ስለ-ዝኾነ። ካብ ንዕኣ ሓሊፉ ንማንም ካልእ ይሰማምዖ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ከመይሲ እቲ በቲ ሥርዓት ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት። ሓደን ክልተን ኢልካ ዝርዝሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሕዝብና፥ ካብ ማእሰርትን, ቅትለትን, ስደትን, ሞትን ምልቓቕ ስኢኑ፥ ብቐጻሊ እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። ቅዋማዊ-መንግሥቲ ካብ ዘይብላ ሃገር ከኣ፥ ሕግን ፍትሕን ሥርዓትን ክርከብ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ግዳስ ንሕና እቶም ሕዝቢ’ዛ ሃገር’ዚኣ እንበሃል። ገሌና እንስሕቕ ገሌና ከኣ እንቝዝም ብምዃንና።  ንማኅበረ-ሰብ ዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ምህላውና’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ሕማምና ሓኪም ክፈልጦን ክፍውሶን ዘይክእል ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

የግዳስ ከም ሓቂ ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ኃቢርና ክንበክን ክንቝዝምን ዝግበኣና ሕዝቢ ደኣምበር፥ ተፋላሊና ክንርከብ ዝግብኣና ኣይነበረን። ከመይሲ   እቲ ኩሉ ኣደራዕ ብኃባር ኢና ክንቅበሎ ንርከብ ዘሎና። እቲ ሕዝቢ ኣብ ሓሳብ ሓደ ኮይኑ ንኸይርከብ ግና፥ እተን ፈቖዶኡ ጫጭሐን ዝርከብ ዘለዋ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈታት። ኣብቲ ሕዝቢ እሾኽ ኣብ ምዝራእ’የን ተዋፊረን ዝርከባ ዘለዋ። ከም ውጽኢት’ዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማ፥ እቲ ሓደ ክፋል ሕዝብና ዋይ እናበለ ክቝዝም ከሎ። እቲ ካልእ ክፋል ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ ክስዕስዕን ክዕልልን’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ንሳቶም እቶም ዝስዕስዑ፥ ኣብ ዓዲ ዴሞክራሲ እናተቐመጡ ከለዉ፥ ኣብ ልዕሊ ሕሰምን መከራን ሕዝቦም እናላገጹ ክስዕስዑ ምድላዮም እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ-ዓዲ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና ግና። ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣውያቱን መረረኡን ከስምዕ ዘኽእሎ ባይታ ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ሥርዓት ንሕቶ ሕዝቢ ክምልስ፥ ወይ ንዝቐርበሉ ወቐሳ ክጻወር ዘኽእሎ ትዕግስቲ፥ ትማሊ ኣይነበሮን ሎሚ’ውን ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ-ዝኾነ’ውን ዝኾነ ዝለዓል ሕቶ፥ ነቲ ሥርዓት ከም-ምቅዋም ወይ ከም ጸላኢ ስለ-ዝውሰድ። ዝኾነ ነገር ክብል ዕድል ኣለዎ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ ሕዝቢ-ኤርትራ ከም ኣድገ በቕሊ፥ ብልጓም-ፖለቲካ እናተገርሐ፥ ዝበሉዎን ዝኣዘዙዎን ኮይኑ ምንባር እንተ-ዘይኮይኑ። ሕዝቢ ንክሓትት ዘፍቅድ መሰል ኣብ ኤርትራ፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን።   

እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንዓና ከም ሕዝቢ፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ክህበና ዝኽእል ኣይኮነን። ሓደ ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል፥ ጥርናፈ ስለ-ዝተሳእነ ግና። ገሌና ከነጣቕዕ ገሌና ድማ ክንነብዕ ንርከብ ኣሎና። ግዳስ ከምቲ “-ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ-ይሰትያ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ። ናይቲ ሰብኣዊ-ክብርና ገፊፉ፥ ደም ከንብዓና ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት፥ ኣጣቓዕቲ ኮንና ንርከበሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣ’ዮም ዓደቦና “-ናይ ሞት ይጽናሕ፥ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ኢሎም ዝምስሉ።    

ርግጽ’ዩ ኣከያይዳና ኣይጸበቐን ብምባል፥ ልዕልና ሕጊ ዝተኸተለ ሥርዓት ንኽህሉ፥ በብግዚኡ ክግበሩ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ነይሮም ‘ዮም። ግዳስ እቲ  ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ንኹሎም ውሒጡ ከም-ዘጥፍኦም፥ ካብቲ እቶም ክልተ ጀጋኑን ተባዓትን ዝኾኑ ተጋደልቲ፥ ማለት ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተክለ-ጊዮርጊስን፥ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ እቶም ኣብ 1973 ኣብ ሜዳ፥ ጌጋ ንኽእርሙ ኢሎም ተላዒሎም ዝነበሩ ምሁራን። ተደምሲሶም ከም-ዝጠፍኡ ክግበር ዝተኻእለኮ፥ ኣብ ገበን ስለ-ዝተረኽቡ ኣይነበረን። የግዳስ እቲ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ነይሩዎ ዘይበሃል መሪሕነት። እቲ ምንቅስቓስ ናይቶም ምሁራን፥ ንሥልጣኑ ከም ሓደጋ ወይ ስግኣት ኮይኑ ስለ-ዝረኣዮ። እቶም ሓልዮት ሕዝብን ሃገርን ዝነበሮም ምሁራን፥ ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ክጠፍኡ ከለዉ፥ እቶም ተጋደልቲ’ውን እንተኾኑ፥ ይርእዩን ይሰምዑን ነይሮም’ዮም። ዓገብ-! ክብሉ ግና ኣይተረኽቡን።   

እቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝነበሩ፥ ናይ ማይ-ሓባር ተጋደልቲ’ውን። መሰልና ይተሓሎ ኢሎም’ዮም ዝሓተቱ እምበር፥ ካብኡ ሓሊፎም ዝበሉዎን ዝገበሩዎን ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝረኸቡዎ መልሲ ግና፥ ኣብ ማእከል ጎልጎል ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ከም-ዝጠፍኡ‘ዩ ዝተገብረ። ብወገን ሕዝቢ ኮነ፥ በቶም ብጾቶም ተጋደልቲ ግና፥ ርኢኻ ሱቕ ካብ ምባል ሓሊፉ፥ ዝተገብረ ወይ ዝተላዕለ ተቓውሞ ነይሩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ሕልና’ቶም ተጋደልቲ ኮነ፥ ሕልና’ቲ ሕዝቢ መሬት ከም-ዝዘብጥ ኮይኑ ስለ-ዝተሃስየ። እንኳንዶ እምቢ-! ብምባል ድምፂ ተቓውሞ ከስምዕሲ ይትረፍ፥ ዝኾነ ነገር ክብል’ውን ዓቕሚ ነይሩዎ ዝበሃል ኣይነበረን።

ይተካእ ይለቀብ ድማ፥ ኣብ 1997 ዓ/ም (2005) ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብዘወሃሃዶ ኣድማ፥ ካብ ሥልጣኖም ብፖለቲካዊ-ጐነጽ ከም-ዝወርዱ ክግበር ከሎ። ሽዕኡ’ውን ዓገብ-! ክብል ዝኽእል ሕዝባዊ-ተቓውሞ፥ ተሰሚዑ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ከመይሲ ኣብቲ እዋን’ቲ ገለ ዓድታት ሓማሴን፥ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጉዳይ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዐን ተባሂለን “ናዅራ” ከም-ዝሰፍራ ዝተገብራ ዓድታት ስለ-ዝነበራ። በዚ ምኽንያት’ዚ ዝኾነ ነገር ክብል ዝደፈረ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ሕዝቢ፥ ብቐጻሊ እናሞተ ከሎስ፥ ሞት ካብ ምፍርሁ ዝኣክል፥ ከም እንስሳ ኩን ዝበሉዎ እናኾነ ዝነብር ዘሎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን፥ እቶም ብጂ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ። እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኣከያይዳ’ቲ ሥርዓት። ቅዋማዊ ኣሠራርሓ ዘይተኸተለ፥ ብሓደ ሰብ ተመሪሑን ተጐቲቱን ዝኸይድ ምዃኑ  ብምቅዋም። ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንኽትህሉ’ዮም ጻውዒት ዝገበሩ። እዋኑ ዝሓለወን ግዚያዊ ሕቶን ብምንባሩ ድማ፥ እዚ ሕቶ’ዚ ምሉእ ናይ ሕዝቢ ደገፍ ከም-ዝነበሮ ዝፍለጥ’ዩ። ንሱ እቲ ውልቀ-መላኺ ግና፥ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ፥ ክጻወር ዘኽእል ብቕዓት ወይ ትዕግስቲ ስለ-ዘይነበሮ። ነቶም ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን ኮነ፥ ኣዳለውቲ ብሕታውያን-ጋዜጣታት ዝነበሩ ኩሎም ብኣልማማ፥ ኣብ መቝሕ ከእትዎም’ዩ ዝተጓየየ። ዓገብ-!! ክብል ዝኽእል ሕዝቢ ግና ሽዕኡ’ውን ኣይተረኽበን።

ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት ድማ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ። ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። መወዳእታኡ ድማ ኣብ 2005 ዓ/ም (2113) ኣብ ላምባዱሳ 365-ደቂ-ሕዝቢ፥ ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ጠፊኦም ዝብል መርድእ ተሰሚዑ። በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ድማ፥ ዓለም ብዓለሙ’ዩ ከንቀጥቅጥ ዝተራእየ። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ሥርዓት ግና “..ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን’ዮም..” ብምባል’ዩ ናይ ኣሽካዕላል መግለጺ ክህብ ዝተሰምዐ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ ክሳብ ክንደይ ንዕቀት ከም-ዘለዎ ዘርኢ’ዩ ነይሩ።

ብርግጽ ድማ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን። ካብዚ ዘሎናዮ ጸበባን መከራን ንኽንገላገል ተባሂሉ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ ኩሉ-ዓመታት፥ ክግበር ዝጸንሐ ምትእኽኻባት ውሑድ ኣይነበረን። ሃገራዊ-ባይቶ ቈይሙ ዝተባህለሉ እዋናት’ውን ነይሩ’ዩ። ንጸገም ሕዝብና መሠረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ሓሳብ ግና፥ ዛጊት ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን ዘሎ። ስለዚ’ውን እቲ ንሕዝቢ ዘይውክል ዲክታተርያዊ-ሥርዓት። ሕጂ’ውን ኣብ ዝባን ሕዝቢ ኮይኑ፥ ምሽክዕላሉ ክቕጽል’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ንሕና ከም ንሕና መጠን ግና፥ እቲ ከም ሓደ ሕዝቢ ደው ከብለና ዝኽእል ዝነበረ ጥርናፈ፥ ዓቂብናዮ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ከኣ እዚ’ዩ።

እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ብኣጋጣሚ ዝኾነ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንታይ ደኣ እቲ ኣብ 1991 ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ከዕገርግረናን ሰላምና ክዝርግን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ንእስራኤላውያን’ውን፥ ኣብ ግዜ ሮብዓም ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ነይሩ’ዩ። ንዕሽነትን ንዕቀትን ሮብዓም ግና ተጻዊሮሞ ክኸዱ ኣይደለዩን። ብትብዓት መኪቶም’ውን፥ ነቲ ተጻዒኑዎም ዝነበረ ኣርዑት ባርነት፥ “-እምቢ-” ብምባል፥ ሰይሮም ከም-ዝደርበዩዎ’ዩ ብሉይ-ኪዳን ዝነግረና። (1ነገ.12/3-17)

ኩነታት ሰላም-ሃገርና ድማ። እቲ ተስፋ መመሊሱ እናረሓቐ ደኣ’ዩ ክኸይድ ዝርአ ዘሎ እምበር፥ ዛጊት ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንምምሥራት ኣብ ዘኽእል ተስፋ፥ ተበጺሑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ መሠረት’ዚ ድማ፥ እቲ ጉዳይ ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ። ደቂስና ክንሓድር ዘኽእለና፥ ወይ ሰላምን ቅሳነትን ክህበና ዝኽእል ኮይኑ ኣይረአን ዘሎ። እቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግፍዒ ተጻዊርና ድማ፥ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ንሕና ክንነብር እንተደኣ ኮንና፥ ዘሎና ምርጫ ሓደ ጥራይ’ዩ። ንሱ ድማ ህልውና’ቲ ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሡሩ ተማሕዩ ከልግስ፥ ኣብ ዝኽእለሉ ኣቢልና ክንጥምት፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ይግድደና ምህላዉ ክንዝንግዕ የብልናን።

ስለዚ ኩሎም መራሕቲ-ሃይማኖት። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዝኾነ ዋኒን ንላዕሊ። ቀዳምነት ሂቦም ክሥርሑሉ ከም-ዝግባእ፥ ንሳቶም’ውን  ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ሕዝቢ ይብተን ሃገር ከኣ ትፈርስ ኣላ፥ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ኣብዚ ቀውጢ ዝኾነ ሰዓት’ዚ። ልቦም ወዲቑሎም ክድቅሱ ይኽእሉ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ እቲ መኣዝኑ ስሒቱን፥ ናበይ ከምዘብል’ውን ጠፊኡዎ ዝርአ ዘሎ ሕዝብና። ኣንፈት ዘትሕዞን መንገዲ ዘርእዮን ሓጋዚ ይደሊ ኣሎ።

እዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት’ዚ ከኣ። ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ኣቦታት ንላዕሊ፥  ክበቕዖ ወይ ክምልከቶ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ዘሎ ኣይመስለናን። ንሳቶም ብሓባር ዝጸውዑዎ ጉባኤ ከም-ዝዳሎ ኮይኑ ከኣ። ንኩሉ ማኅበረ-ሰብ ኤርትራ ከሳትፍ ዝኽእል። ብደረጃ-ሃገር ዝጥመት ሓደ ዓቢይ ጉባኤ ክግበር፥ እቲ ሕዝቢ ይሓትት ምህላዉ፥ እቶም ኣቦታት ብዓቢይ ትዅረት ክጥምቱዎ ዝግባእ፥ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ወሳኒ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ።

ብዝተረፈ እቲ ግዜ ኣንጻር ረብሓ ሕዝብና፥ ፍጥነት ወሲኹ ክጐዪ’ዩ ዝርአ ዘሎ። እቶም ን27-ዓመት መመላእታ ብዕድል ሕዝብን ሃገርን ክጻወቱ ዝጸንሑ መራሕቲ ፖለቲካ ከኣ። ኣብ ካልእ ዘይምልከተና ጸገም፥ ከእትዉና ደኣ’ዮም ሃነፍነፍ ክብሉ ዝረኣዩ ዘለዉ እምበር። ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም ክቕመጡ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከመይሲ ኣብ ዝኾነ እዋን፥ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት፥ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ክባራዕ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፥ እቶም መጀመርታ በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ክልብለቡ ዝኽእሉ። ንሕና ኢና’ምበር፥ ካልእ ሕዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ከምኡ’ውን እቲ ብመንገዲ ዶክተር-ዓቢይ ክግበር ዝድለ ዘሎ ዕርቂ። ንሕና ከም ሕዝቢ እንደልዮን እንምነዮን እኳ እንተኾነ። እቲ ሓንሳእ ጎንደር ሓንሳእ ድማ፥ ኣዋሳ እናኸድካ ክግበር ዝተራእየ ወዛሕዛሕ-!! ግና፥ ካብ ንፕሮፖጋንዳዊ-ሃልኪ ምዃን ሓሊፉ። ውሕስነት ዘለዎ ዕርቅን ሰላምን ከምጽእ ይኽእል’ዩ፥ ዝበሃል ኮይኑ ስለ-ዘይተራእየ። እዚ ብጭቡጥ ከምዚ’ዩ ነይሩ ኢልካ ክዝረበሉ ዘይክኣል ዑደት’ዚ። ውጽኢታዊ’ዩ ነይሩ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፥ ንኽልቲኡ ሕዝቢ ዘርብሕ ዘተኣማምን ዕርቅን ሰላምን ተረኺቡ’ዩ ዝብል እምነት ኣብቲ ሕዝቢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።ብዝተረፈ እቲ ናብ ኵናት ንኽእቶ ጠንቂ ዝኾነ ባድመ፥ ኣብ ክሊ ትግራይ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ። እቲ ንትግራይ ዘሊካ ብምኻድ፥ ኣብ ጎንደርን ኣዋሳን ክግበር ዝቐነየ ብልቦና ዘይተጠመተ ፖለቲካ። ኣብ ዝኾነ ክበጽሕ ዘይክእል ፍሹል ምንባሩ፥ ክልቲኡ ሕዝብታት ድሮ ፈሊጡዎ ኣሎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘሎና።  

ብዝተረፈ ከምቲ “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-” ተባሂሉ ዝምሰል። እቶም ንሕዝቢ-ኤርትራ ትማሊ፥ ኣብዚ ኩሉ ጸበባን መከራን ከም-ዝሽመም ዝገበሩዎ መራሕቲ-ፖለቲካ። ሕጂ ድማ ንዕኡ ነቲ ደም ከንብዕዎ ዝጸንሑ ሕዝቢ ሓሊፎም፥ ነቲ መድረኽ ቀዲሞም ክቈጻጸሩዎ። ብዝኾነ ተኣምር ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ’ዚ እቶም መራሕቲ-ሃይማኖት ኣቦታት፥ ነዚ ሰብ ክጾሮ ዘይክእል መከራን ጸበባን እናተቐበለ፥ ግደ ማእሰርትን ሞትን ስደትን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ። ዝጸንሖ ፍልልያት ኣወጊዱ፥ ኣብ ሓደ ናይ ሰላምን ዕርቅን መኣዲ ክራኸብ’ሞ፥ ነቲ ናይ መጻኢ ዕድሉ  ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ። ባዕሉ ዝቈጻጸሮን ዝውንኖን ኮይኑ ምእንቲ ክርከብ። ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ’ዚ።ሓገዝ መራሕቲ-ሃይማኖቱ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ-ዝኾነ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕርን ምርድዳእን መኣዲ ከራኽቡዎ’ሞ፥ ንመሰሉን መጻኢ-ዕድሉን ባዕሉ ወሳኒ ኮይኑ ክርከብ። እስከ ዘይብሉ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ከካይዱ፥ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም-ዘለዎም ይዝንግዑዎ’ዮም ኣይንብልን።

ብዝተረፈ እቶም ን27-ዓመት መመላእታ፥ ነቲ ሕዝቢ ደም ከንብዑዎ ዝጸንሑ መራሕቲ-ፖለቲካ ሃገርና። ሕጂ ንሕዝብን ንሃገርን ብምውካል፥ ኣብዝን ኣብትን እናተገላበጡ ወዛሕዛሕ  ክብሉ ዝፈቕደሎም ሕዝቢ የልቦን። ካብ ሕጂ ንደሓር እግሮምን ኢዶምን ኣኪቦም ደኣ፥ ወሰን ከይዶም ጸግዖም ይሕዙ እምበር። ወከልቲ ሕዝቢ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ክቐርቡ፥ ሕጋዊ ኮነ ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን። ከመይሲ ባዕላቶም’ውን “-game over-” ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ብርግጽ ድማ እቲ ብዕድል ሓደ ሕዝቢ፥ ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ኣብዚ ኣብቂዑ ስለ-ዝኾነ። ካልኣይ ግዜ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ይረኽቡ’ዮም ኣይንብልን።     

ስለዚ’ውን እቲ ሕጂ ሃገርና፥ በጺሓቶ ትርከብ ዘላ ውድቀት። ግዜ ክህበና ዘይክእል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ ወጻኢ ዝርከቡ ዘለዉ ተጸዋዕቲ ሃይማኖታውያን-ትካላት። እቲ ኣብ መንጎ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ተጻዊሮም ብምክእኣል። ንድኅነት ሕዝብን ሃገርን’ውን ክብሉ። ሓደ ንኹሉ ከሳትፍ ዝኽእል፥ ዓቢይን ሰፊሕን ጉባኤ ክግበር ኣብ ዝከኣለሉ ኣቢሎም፥ ጠመተ ወይ ጻዕሪ ክገብሩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ሃገርና፥ ከቢድ ሓላፍነት የሰክሞም ምህላዉ ክዝንግዑዎ የብሎምን በሃልቲ ኢና።

ይኹን እምበር እቶም ኣብ ሥልጣን ዘለዉ መራሕቲ-ፖለቲካ። ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት። ሕዝብና ሃይማኖትን ባህልን ክብርን ታሪኽን መንነትን ዘይብሉ ኮይኑ ንኽተርፍ። ብመደብ ክሠርሑሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕና ከም ንሕና መጠን። ሓደ-ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል ጥርናፈ ስኢንና፥ ኣብ ሓደ መወዳእታ ክርከቦ ዘይክእል፥ ኮለል ኣቲና ንርከብ ዘሎና

ስለ’ዚ ነዚ ናይ ቅርሕንቲ ሕማም’ዚ ፈዊሶም። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ከራኽቡዎ ዝኽእሉ፥ ንሳቶም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ስለ-ዝኾኑ። ኣውያት እቲ ሕዝብን እታ ሃገርን፥ ኣብ እዝኖም ክበጽሕ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ። ብዝተረፈ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዛረብ እንተደኣ ኮንና። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣሎና ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ ናይቲ ጸድፊ፥ ኣብቲ ገምገም ንርከብ ምህላውና። እዚ ጥቓ ሞትን ጥፍኣትን ዘሎ ሓደጋ’ዚ፥ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት፥ ተኸዊሉዎም ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል።ደሃይ ሃቡ-!! ይበሃሉ ኣለዉ’ሞ፥ ሃገር ብሃገሩ ድምፆም ክሰምዕ ይጽበ’ዩ ዘሎ።

                                 ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

                                 ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

                                     ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን

                                            ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ                                              

            

     

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተቐየረ ካብ ዘመልከቱ ስጉምትታት ሓደ፡ ምኽፋት ዶባዊ ኣፍደገታት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ቅድም ኣፍደገ ሰርሓን ዛላንበሳን ኣብ ዕለተ ቅዱስ ዮሃነስ ተኸፊቱ። ኣብዚ ዕለት ኣፍደገ ቡሬ እውን ተኸፊቱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣፍደገታት  ክሳድ ዒቃን ራማን ከምኡ’ውን እሞሓጀርን ሑመራን ተኸፊቶም። ድሕሪ ምኽፋት ናይዞም ዶባት ተኸቲሉ ዝተራእየ ምዕባለታት ከኣ መልእኽቱ ንጉጅለ ኢሳይያስ ዘሰንብድ ነይሩ።

ዶብ ሰርሓን ዘለንበሳን ክኽፈት እንከሎ፡  ኢሳይያስ ነቲ ናይ ህዝቢ ርክብ እናቆንጠረ ከካይዶ እዩ ነይሩ መደቡ። ንኣብነት ኣብቲ ዕለቲ ናብቲ ተጋሩ ኣዳልየምዎ ዝነበሩ ናይ ዛላንበሳ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፡  ክሳተፉ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራዊት ወሲኽካ 1,500 ሰባት ጥራይ ነይሮም። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ህዝቢ ሓደ ምክትል ወረዳ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ምክትል ወረዳታት’ዩ ካብ ህግዲፍ ፈቓድ ከይተጸበየ በብዝጠዓሞ ኣገባብ  ደፊኡ ኣትዩ። ካብቲ ብጸቢብ ስነስርዓት ብምቁጽጻር ክንድዚ ይከኣል ተባሂሉ ዝተገመት ሰራዊት እውን ዕጥቁ ፈቲሑ ከምቲ ሲቪል ህዝቢ ዝያዳ ኣሃዝዩ ደፊኡ ኣትዩ። ካብዞም ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ሽዑ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዳግማይ ናብ ኤርትራ ዘይተመልሱ ብዙሓት እዮም። በዚ ዘይተጸበዮ ማዕበል ዝሰንበደ ኢሳይያስ ካብቲ ዶብ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ብኸመይ ከም ዝሃደመ ሽዑ ብናይ ቀጥታ ፈነወ ተለኢቪዥን ብዙሓት ዝተዓዘብዎ እዩ።

እቲ ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝተራእየ ዋሕዚ፡ ተራ ሃገር ገዲፍካ ምውጻእ ዘይኮነ ናብቲ ዲክታቶር ናይ “ንስኻ ኣይናትና ንሕናውን ኣይናትካን” መልእኽቲ ኣመሓላለፈ ነይሩ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞ ገበን ስለ ዝፈልጥ፡ ህዝቢ ነቲ ኣጋጣሚ ከም ዝጥቀመሉ ዝተጸበዮ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብዝሕን ኣገባብን ግና ካብ ግምቱ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ሳላዚ ዘይግሉጽን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይተሓስበሉን ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ትግራይን፡ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ስድራቤታት ምርኻቡ ብኣውንታ ዝርአ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕያሎ ዓመታት ብስእነትን ልዑል ክብርን መሰረታዊ ቀረባት ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ምኽፋት ዶባት፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ቀረብ ብርትዓዊ ዋጋ ክረክብ ምኽኣሉ እውን ካልእ ናይዚ ብስምዒትን ብዘይንጹር ቀጻልነትን ዝተኸፍተ ዶባት ዝተረኽበ መኽሰብ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ “ስለምንታይ ሎሚ፡ ብመን፡ በየናይ ስምምዓት፡ ክሳብ መዓስከ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይመለሰ ሽፉን ስለ ዝነበረ ህዝቢ ብዓይኒ ስኽፍታ እዩ ርእይዎ። እነሆ ከኣ እቲ ስኽፍታ ስኽፍታ ጥራይ ኮይኑ ኣይተረፈን ስግኣት ኣስዒቡ።

ከምቲ ህዝቢ ዝገመቶ ብናይ ህዝብታት ርክብን ናይ ቀረብ ሕቶኦም መፍትሒ ምርካቡን “ዓይኑ ደም ዝመለአ” ኢሳይያስ ቅድም ኣፍደገ ሰርሓ-ዛላንበሳ ዓጽይዎ። ስለምንታይ ከም ዝተዓጽወ መብርሂ ዝህባ ኣካል ኣይነበረን። ድሕሪኡ በብግዜኡ እቲ ናይ ምዕጻው ለበዳ ቀጺሉ ኣርባዕቲኡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣፍደገታት ተረጊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳያት ብወገን ኤርትራ መብርሂ ኣይተዋህበን። እዚ መብርሂ ዘይምሃብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣረገሉ ስለ ዝኾነ እምብዛ ኣይሕደሶን። ምናልባት ብወገን ኤርትራ “ብኸምዚ ምኽንያት ኢና ከፊትናዮ ወይ ዓጺናዮ” ዝብል መብርሂ እንተዝወሃብ ግና፡  ኣዝዩ ውዑይ መዛረቢ መኾነ። ምኽንያቱ ንኤርትራውያን እቲ ሓድሽ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ምጽቃጥ ዘይኮነ፡  ድምጽኻ ምስማዕ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምቲ “ሕማም ጐረቤት ተላጋቢ”  ዝበሃል፡ ግዲ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተዓዛቢ ዓዲሙ ተጠሊዑ ዝኸፈቶ ኣፍደገታት ክዕጸው እንከሎ፡ ካብቲ ብዛዕባ ዝኾነ ምዕባለ ናይ ምሕባር ባህሉ ወጺኡ፡ ሕማቕ ምስሊ ኢሳይያስ ክሓብእ ግዲ ደልዩ ምጽቃጥ ምምራጹ ዘገርም እዩ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ነቲ ብወገን ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶባት ክኸፍት እንከሎ፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ጽቡቕ ድሌት ዝተፈልየ ግና ዝበርዓነ ዕላማ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ ትንፋስ ዝሓጽሮን ዘንጸርጽርን፡ ዝተዓዛዘሮ  ወዲ 73 ዓመት ገበነኛ ሰብኣይ ብዛዕባ እንዳማቱ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ምእዋጁ ትጽቢቱ ኣብ ግጉይ ሕሳብ ዝተመስረተ ምንባሩ ዘመልክት እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ነቲ ዝተኸፍተ ኣፍደገታት ጥዕና ዝኸለኦን መሊሱ ንክዕጾ ዘገደዶን ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ዓቢሩ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ሴፍ ክመዝዝ ዝደናደን ኤርትራዊ መራሒ እየ በሃሊ፡ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ጽቡቕ ክኾነሉ ምጽባዩ ቅኑዕ ነይሩ ምባል ኣይከኣል። ብመንጽር ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ፡ ኢሳይያስ ምስ ጐረባብቲ ዝምድና ክፈጥር እንከሎ ኢድ ኣእታውነት መለለይኡ ምዃኑ ላዕለዎት ሓላፍቲ ኢትዮጵያ ከሎ ጌና ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ LTV ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ዘይመንግስታዊ መደበር ተለቪዥን፡ ነባር ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር መራሕን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ንዲክታቶር ኢሳይያስ ዝፈልጥዎን ኣቶ ለንጮ ለታ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ኣሎ ይበሃል’ሞ ከመይ ትርእይዎ?” ተባሂሎም ምስተሓቱ ፡ ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሕቶዚ ሎሚ ኣይምልሶን እየ” ብዝብል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ረዚን ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢድ ምእታው ከኣ፡ ሓደ ካብ መለለዪ ናይ ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶም ጉዳይ ዝፈሸለ ኣካል እዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ትርከብ ዘለኻ፡ኣቐዲምና ካብ ደቅኻ፡ ብስም እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ካብ ከተማ ካስል/ጀርመን ሰላምታና ይብጻሓካ። ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ፡ካብ ነዊሕ መዋእላት ኣትሒዝካ ከይቀሰንካ ትካለበት ዘለኻ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ።ኩላትና ደቕኻ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና፡ብኣኻን ብሃገርናን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ከምዘይቐሰና ኣጥቢቕና ክንሕብረካ ንፈቱ። ብመሰረቱ ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ ልዕለኻን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ዘይንስሕቶ’ኳ ይኹን’በር።ድኽመታትናን ፍልልያትናን ወጊድና፡ብሓድነት ዘይምግጣምና ድኽመታትና ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ኮይኑ ግን እቲ መጀመርታ ዘለዎ፡ መወዳእታ ኣለዎ እሞ፡እዚ ሕሱም ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን፡ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ተኾስኵሱን ተመልሚሉን ንኤርትራዊ ዘርኢ ንምድምሳስ፡ገረብ ብሓኽላ ዕላማ ሒዙ ዝወፈረ ስለዝኾነ እንሆ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብሪሱዎ ይርከብ ኣሎ።* እዚ ሕሱም ጨካን ጸላኢና ኣብ ውሽጥና ኣትዩ፡ኣብ ነንሕድሕድና ከምዘይንተኣማመን ገይሩ ንመዋእላት ከሳቕየናን ከጽንተናን ጸኒሑን ኣሎን።ብፍላይ ገለ ካባና ነዚ  ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመት ዝኣክል ጸላኢናን ሓደገኛን  ምዃኑ ዘይሓበርና ኣይኮናን፡እንተኾነ ግዳ፡ትሰምዓና እዝኒ ኣይረኸብናን። እወ!እዚ ሽፍታ’ዚ ንኣሕዋትና ምሁራትን ኣስተውዓትን ተጋደልቲ ክቃለሱ ንሜዳ ኤርትራ ዝወረዱን፡ዓበይቲ ዓድን፡ኣሽሓት ገባርን ደቂ ገባርን ዝቐዘፎም ማእለያ የብሎምን።ብድሕሪ’ታ ነጻነት ተባህላ ትፍለጥ፡ ግን ከኣ ባርነት ዝኾነት፡ንህዝብና ብጋህዲ ቅንጸለን ማእሰርትን ኣብ ዘየድሊ ኵናት ምጥባስን፡ንብረቱ ምዝራፍን፡ክሳብ ሃገሩ ገዲፉ ንሰደት ከም ዘምርሕ ገይሩዎን ረጊጹዎን ኣሎ።ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ንሉኡላዊ መረት ኤርትራ፡ዓሰብ ንኢሜራት ዓርብ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ መጥይዎ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብሽፋን ናይ ሰላም ዘብዘብ ዝተጀመረሉ ግዜ፡ውልቀ መላኺ ኤርትራ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ንኣዕጸምቲ ጀጋኑ ስዉኣትና ረጊጹ፡፡ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝእምቶ ዝነበረ፡ ብጋህዲ’ዩ ደርጉሒዎ፡ ዶ/ር ኣቢይ "ምርሓና  ንስኻ፣ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ኣይከሰርናን፡ዝጠፍኣና ንብረት የብልናን፡ዶብ ምሕንጻጽ ክጸንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኢዩ፡ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ፡ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ፡ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥን፡ንሰላምና ክብርዛ ዝደልን እዩ፡ክብል ሰሚዒናዮ ኢና። ኤርትራ፡ካብ ዝሓለፈ ዓመት  ኣትሒዛ ድማ፡ ከም ክልል ኢትዮጵያ ኮይና ትኸደሉ ዘላ ብዙሕ ጩራታት ይረኣዩ ኣለዉ።ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ፡ ውልቀ መላኺ፡ ንኤርትራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣፍሪሱ፡ንባጽዕ ሓይሊ መደበር ኢትዮጵያ ክትኸውን ሂብዎም ከምዘሎ ብዙሓት ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ። 

ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል  ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!።ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል  ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!። 

ይኣክል ሙሉኽ  ዜጋ  ምዃን! ይኣክል ኣምልኾ ንውልቀ መላኺ! ይኣክል ኣምልኾ ንጠላሚ! ይኣክል ኣምልኾ ንሽፍታ! ይኣክል መቕዘፍትን፡ጭውያን! ይኣክል ምፍልላይ! ሉኡላውነት ሃገርና ይተሓሎ! እሱራትና ይፈትሑ!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት! ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!  

ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል/ከባብን ካስል/ጀርመን

ዕለት 13/04/2019

ግዜ ንሓደ እንዳተቐበለ፡ ደሓር ነቲ ዝተቐበሎ ኣፋንዩ ካልእ ቀዳምነት ሒዙ እዩ ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኣብቲ መስርሕ ብደረጃ ዓለም ዝረኣዩ ምዕባለታት ኣለዉ፡ በብኸባቢኡ ዝምዕብሉ ሰብ ተራ ዛዕባታት ከኣ ኣለዉ። ከባቢና ከኣ ውዑይ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ኩርናዕ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ብቱኒዝያ ዝጀመረ ደሓር “ናይ ዓረብ ጽድያ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ናይ ለውጢ ማዕበል፡ ብቱኒዝያን ብሊብያን ኣቢሉ ናብ ግብጽን የመንን ምስተላብዐ ንኣልጀርያን ሱዳንን እውን ብጐቦ ዓይኑ ክርእየ ጸኒሑ። ናብ ኢትዮጵያ እውን ፍልይ ዝበለ ኣገባብን መልክዕን ሒዙ ተገማጊሙ። ኣብዚ ኩሉ ተርእዮታት፡ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብትሑት ዋጋ ሓያል ለውጥን ህዱእ ቀጻልነትን ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸሉ ተመኩሮ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ ከኣ፡ እቲ ከቢድ ሓላፍነት ለውጢ ምምጻእ ዘይኮነ፡ ነቲ ለውጢ ከተቐጽል ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ምዃኑ ኣብዚ ተመኩሮ ተራእዩ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ነቶም ቀንዲ ዝምልከተና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጋህደ ዘይግሉጽነት ዝዓብለሎ ምሕዳስ ዝምድና፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ናይ ስግር ባሕሪ ጐረባብትና ብዘይግሉጹነት ኣብ ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ዝደናደን ሓደገኛ ውዕላት ምፍጣሩ ካልእ ኣዛራቢ ዛዕባታት ነይሮምን ጌና’ውን ኣለዉ። ኮታ ኩሎም እዞም ምዕባለታት ዋላ’ኳ ህግዲፍ ድንን ኢሉ ነቲ ሓቂ ከስሕቶም እንተፈተነ ከከም ርሕቀቶምን ቅርበቶም ንኤርትራዊ ጉዳይና ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ክጸልውዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዮም።

ወዮ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ኣብቲ ዘለዎ ጠጠው ክብለሎም ክምህለልሉ ዝጸንሑ መራሺ ናይ ለውጢ ማዕበል መዓልቱ ቆጺሩ፡ እነሆ ናብ ኣልጀርያን ጐረቤትና ሱዳንን ደበኽ ኢሉ፡ ናይ ጎደቦና እዋናዊ  ኣጀንዳ ኮይኑ። እዚ ማዕበልዚ ኣብ ሱዳን ጥራይ ጠጠው ዘይብልን ናብ ኤርትራ ዝልሕምን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ናይ ብሓቂ ለውጢ ንክኸውን ጽኑዓትን ውዱባትን ዋናታት የድልይዎ። ኣድማዕነቱን ቀጻልነቱን ከኣ ብትብዓት፡ ጽንዓትን ኣርሒቕካ ምሕሳብን ናይዞም ዋናታቱ ዝውሰን’ዩ። ጭቡጥ ዋና እንተዘይረኺቡ ግና ከም ናይ ሊብያ፡ ሱርያን የመንን መዕንደሪ ናይ ግዳም ሓይልታትን ተለኣኽቶምን ይኸውን። ሱዳናውያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብጠንቂ ምውሳኽ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝወልዕዎ ናይ ለውጢ ሽግ ንከይቅህም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ትንፋስ ዘይህብ ድፍኢት ነቲ ብፕረሲደንት ብዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝምራሕ ወጻዒ መንግስቲ ኣንበርኪኽምዎ። እቲ ቁጠዐ ናይ ናህሪ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት ወጽዓ እኩብ ድምር እዩ።

ሱዳናውያን ክሳብ ሕጂ በጺሐምዎ ዘለዉ ደረጃ ክምዘን እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ከባብና ዝተራእየ ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ለውጥታት ተመኩሮ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ምርዳእ ይከኣል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪል ናይ ለውጢ ሓይልታትን ብጎቦ ዓይኒ ምርእኣዮም ካብ ተመኩሮ ግብጻውያን ዝተማህሩ ይመስሉ። ክንድቲ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ንምእላይ ዘርኣይዎ ብዝኾነ ብዙሕነት ናይ ዘይምፍልላይ ጽንዓቶም፡ እቲ ለውጢ ምስ መጸ፡ ምምሕዳሩ ብዝምልከት ዝነበሮም ውዱብ ምድላው ትሑት ምንባሩ ከኣ ንዕዘብ ኣለና። ነዚ ኣቐዲምካ ናይ ዘይምድላው ሃጓፍ መሊእካ፡ ካብቶም ነዚ ለውጢ ክጭውይዎ ዝደናደኑ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ናፈቕቲ ከተንድሕኖ ምኽኣል ቀሊል ከምዘይከውን ከኣ ንርእዮ ዘለና እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ኣብ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምብጻሕ እቲ ጉዕዞ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ጉዳይ ሱዳናውያን ጉዳይናውን’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ዋኒናስ ናትና ኤርትራዊ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ጉዳይና ካብ ጉዳይ ጐረባብትና ሱዳን ኮነ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጉዳይዞም ጐረባብትና ክለዓል እንከሎ ኣእዛና እንጸሉ። ምስ ሱዳን ዘለና ምትእስሳር ከኣ ታሪኻውን ቃልሳውን እዩ። ዓወት ሱዳናውያን ዓወትና እዩ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዓወትና ክረጋገጽ  ኣዝዩ ዕዙዝ ጽልዋ ዘለዎ እዩ።  ዲክታተር ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዘሎ ጠብሎቕሎቕ፡ ሱዳናውያን ለውጦም ከበርዕን ኢዱ ከይሰደሎም ክጥንቀቕሉ ይግበኦም።

ካብዚ ሱዳናውያን ኣሕዋት ዝኣትዉዎ ዘለዉ ምዕራፍ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ብዙሕ ተረኽቦታት ኣሎ። ሱድናውያን ናይ “ክፋያ” ወፍሪ ሒዞም ናብዚ ኣትየምዎ ዘለዉ መድረኽ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ቅድሚት ዘምጽእዎ መወልዒ ዛዕባታት እንታይ ምዃኖም ተጠቒሶም ኣለዉ። ንሕና ከም መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ከነልዕሎ ዝጸናሕና ናብዚ ናይ ሎሚ “ይኣክል” ማዕቢሉ ዘሎ ሕራነ ክንመጽእ ዝድርኸና ዛዕባ ምስ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝመጣጠን ዘይኮነ፡ “ወጽዓ” ዝብል ቃል ዘይገልጾ፡ ናብ ግህሰት ልኡላውነት ሃገርን ብርሰት ህዝብን ዝደናደን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ከቢድ ሕቶ ዘልዕል ዘሎ እዩ። ስለዚ ክብደት ወጽዓና ካብ ናይ ሱዳናውያን ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ። ሱዳንውያን ነቲ ኩለመዳያዊ ብዙሕነቶም ብምምዝማዝ ንምክፍፋሎም ዝተሃቀነ መኪቶም፡ ብመጠበሪ መብጸዓታትን ጽገናታትን ወጻዕቲ ከይተዓሸዉ፡ ኣብቲ ንኹሎም ዘርበሖም ኣትኪሎም እሞ ንወጻዕቲ ትንፋስ ብዘይህብ ቅልጣፈ ደፊኦም ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ለውጢ ክበጽሑ ምኽኣሎም ክንቀስሞ ዝግበኣና ኣገዳሲ ተመኩሮ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሕሪት ኣብ ዘሎ ጉዕዘኦም’ውን ብዙሕ ንመሃረሉን ንጐርሓሉን ተረኽቦታት ከጋጥመና እዩ። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና፡ ጉዳይና ምስ ጉዳይ ሱዳናውያን ኣዝዩ ዝመሳሰል እምበር፡ ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኮነ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተመኩሮኦም ናብ ኤርትራዊ ኩነታት ናይ ምቕናዩ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ካለኦት ተመሃሮ ጥራይ ከይኮና፡ ናትና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቅዲ ክንቅይስ ይግበኣና።

ብሓፈሻ ካብተን ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሓልፋ ዘለዋ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ካብዘን ዳሕረዎት ኣልጀርያን ሱዳንን ክንመሃር ዝገበኣና ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ጥራይ ክንከውን ኣይመተገብአን። ወዮደኣ ተማሂሩ ዘጽንዕን ጥዑይ ሓሳብ ዘብቁል ኣእምሮኡ መኺኑ እዩ እምበር፡ ኢሳይያስ’ውን ጽባሕ ብእዝኑ ካብ ዝውጠጥ ነዚ ከቢብዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ሃዋህው ክመሃረሉ መተገበአ። ሰራዊት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ነዚ ኩነታት ክመሃረሉን ብህዝባዊ ወገናውነት ሰራዊት ሱዳን ቅዱስ ቅንኢ ክሓድሮ ዝግበኦ ኣካል’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ሱዳን ንህዝቡ ዝተበጀዎ፡ ሰራዊ ኤርትራ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ንህዝቡ እንተነፊግዎ ኣይኮነንዶ ንዓኡ ንዓና’ውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ታሪኽ’ዩ  ክኸውን።

ስለዚ ወጽዓና ካብ ወጽዓ ሱዳናውያን ዝኸበደ ካብ ኮነ፡ ካብቲ ወጽዓ ክንወጽእ ንኸፍሎ ዋጋ ካብቲ ናይ ሰዳናውያን እንተኸበደ’ውን ክንከፍሎ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ተመኩሮ ዕዉታት እንዳተመኮርካ ካብ ምቕጻል ካልእ ኣቋራጭ ናብ ራህዋ ዘብጽሕ መንገዲ ስለ ዘየለ።

በጅኦም ስዉኣትና፤ ብጅኦም ስድራ ስውኣት፤ ብጅኣ ምጭውቲ ሃገርና ኤርትራ። ሃገር ትኸይድ፤ ንሕና ነህተፍትፍ። ወረግ ግርም ጌርና ከነቃልሕ ጀሚርና ኣሎና። ፍታሕ ንምርካብ ግን ዝተጨበጠ ነገር የለን። ጊዜ ይኸይድ፤ መላኺ ስርዓት መጻንሒ እናገበረልና ንሱ ግን ስርሑ ይገብር ኣሎ። ፈሊጡና፤ ኣጽኒዑና፤ ደፊሩናን ንዒቑናን እንድዩ፤ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣና ኣቢሉ ንዓና ንክመልኽ ተዓዊቱ፤ ወላ እናጨራሕና መገዱ ኣይቀየረን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣይክቅይርንውን ኢዩ፤ ስለምንታይሲ ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ በጺሕዎስ ነፍሱን እንታይነቱን ስለዘቃልዐ፤ ንድሕሪት ምምላስ ኣይንጥቕሙን ኢዩ።

እቲ ዝገርም እቶም ፖለቲከኛታት ንብል ሕሳባት ናህናን ናይ ውድባትናን ዓጢጡና ነቲ ርሑቕ ኣቕሪብናዮ ንኸይድ፥ እቶም ምሁራት ኢና ንብል፤ ምናልባሽ ኢስያስ እንተተዓወተ ኢልና ግዲ ንሓስብ ኵይንና፤ ንድሕሪ ”ሓድነት” ንሓስብ ዘለና፥ ማለት ድሕሪ ሓደ ምዃን ከመይ ገርና ብስም ኤርትራ ሓላፍነት ንረክብን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ንዋሳእን ዘገድሰና ዘሎ ከይንኸውን የጠራትረኒ። ብዝተረፈ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ፥ ኣብ ጊዜ ምፍንጫላት ብትንተናታቶምም ጽቡቕ ገይሮም ዘጋፍሑ ዝነበሩ ድኣ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ?  እቶም ተማሂርና ኢና ንዑ ክንምህረኩም ንብል ዝነበርናኸ ፍታሕ ከመይ ከምዝርከብ ክንምህር ዘይንዛተየሉን ዘይንማኸረሉን ቆራጽ ውሳነ ወሲድና ኣብ ህዝቢ ዘይንቐርበሉን እንታይ ኢዩ ምኽንያቱ? ጥር-ጥር ኢልካ ትንተናን ሚዛንን ብምሃብ ጥራይ ምኻድ ካብ ሃጠውቀጠው ሓሊፉ እንታይ ትርጉም ኢዩ ክወሃቦ። እቶም ሞጎስ ዝግብኦም እቶም ኣብ ፈቀዶ ከተማታት ዓለም ብኤርትራውነቶም ተኣኻኺቦም ተቓውምኦምን ስግኣቶምን ብንጹር ዝገልጹ ዘለዉ ኢዮም፥። መን ኢዩ ክጥርንፎም? መን ኢዩ ነዞም ኩሎም ኣብ ሓደ ጽላል ዝእክቦም ዝብል ሕቶ ከይፈታሕና ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ጽባሕ ስራሕ ኢሳያስ ጋህዲ ምስ ኮነ ኣብ ናይ ሓዘን ኣደራሻት ኢና ክንራኸብ፤ ናይ መጻኢ ገዲፍና ድማ ነንሕድሕድና ከምንካሰስ ኣየጠራጥረንን።

ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ውድባት፤ ሲቪካዊ ማሕበራት፤ ምኩራትን ብዕድመ ዝደፋእኩም ውልቀሰባት፥ ኣንቱም ብኹሉ መለክዒ ዝተበደልኩም ተባዓት መንእሰያት (ኩላ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን)፤ ምስ ኩሉ ንገብሮ ዘለና ምልዕዓላት፥ ኣብ ሓደ መጺእና ከም ሓንቲ ኣካል መሪሕናን ተመሪሕናን እንኸደሉ መንገዲ ምንዳይ እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ዕላማና ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ነዚ ንምግባር ድማ ምብጋስ ናይ ኩላትና ግደ ኳ እንተኾነ፤ እቶም ኣብ ቅድመግንባር ውልሕ ዝብሉን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዝዕደሙን ኩሎም ነዛ ዕላማዚኣ ከዕውቱ ክንቀሳቐሱ ከምዝግብኦም የማሕጽን። ብፍላይ ኤሪትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት፤  ነቲ ዘለወን ተፈላጥነትን ውድባዊ ተሞክሮታትን ተጠቒመን: ነዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዕላማ ንከዐውታ ምቹእ ባይታ ስለዘለወን፤ ኣብ ምብጋሱ ግደታተን ከልዕላ እምሕጸን። ብዝተረፈ እዚ ህዝብን ሃገርን ብምጽናትን ብምድኻምን ንህዝቢ ኤርትራ ጻምኡ ከይረኸበን ሃገሩ ብገዝእ ኢዱ ከማዕብል ዕድል ከይረኸበን፤ ብሃታሃታ ኣብዘይሓሰቦ ንምውታፉ ዝግበር ዘሎ ግሁድ ጉዕዞ፤ ንከይዕወት ዝኽልኽሎ ከምዘየሎ ይረኣየኒ። ከምቲ ዘረባ ኣበው፥ ወዮ ከብቲ` ተወሲደን`የን፤ እንተ ጸርፊ` ዝገደፍናሎም የብልናን ኮይና ከይንተርፍ። ነዚ ናይ ኣጸሓሕፋ ድፍረተይ ሸለል ኢልኩም፤ ኣብቲ ቁምነገር ክተተኩሩ ድማ ብትሕትና እሓተኩም።

ተኽለ መለኪን

16/4 - 2019

ኣልኣዛር ክዝክረካየ ሎሚሲ

ኣልኣዛር ከልዕለካየ ሎሚሲ

ኣባሓጎኻ ዘርኤ ሓራሲ ሓፋሲ   

ኣቦካ ቀለተ ዘማሪ ቀዳሲ

ኣልኣዛር ወዲ ጓል ኣምሕኒት መራሺ ተኳሲ

ምንኣስ እድሪስ ዓዋተ ኣብቲ ርሱን ቃልሲ ::

       ወዲ ወዶም እንዳቦይ ዘርኤ ኣልኣዛር ሓየተ

       ሓዊ በላይ ሓዊ ኢትባረኽ ወዲ ኣቦይ ቀለተ

       ኣንታ ጎይታ ቃልሲ ጎይታ ማሕበር ሸውዓተ 

       ኣንታ ጎይታ ጠባይ ኣቦ ኣማን ሓዊ መብራተ

       ኣንታ ሓዊ ሙሉ ሓዊ ሂወተ፣ ሓዊ ኤደን ሓዊ ገነተ

       ወዲ ሓው ነቦይ ምሕረትኣብ ወዲ ቀለተ

       ሰብ ጥዕና ኣለው ይበሃል እንተዘይሞተ::

ኣልኣዛር በልዎ ይለዓል ኣልኣዛረይ ንበል

ወዲ ጓል ዘርእጋብር ወዲ ኣደይ ገብሪኤል

ኣንታ ለዋህ ለጋስ ኣንታ ጽላል ዕቦል

ኣቦ ኤርትራ እንዲካ ተዳፋኢ ማዕበል

ኣቦ ኤልሳ ንስካ ናይ ጎቦታት ጸበል

ታሪኽካ ረኪበዮ ብዙሕዩ ብኣካ ዝዕለል

ድርብ ዝዕጥቕካ ሓጺር በሪክ ኣንታ ጎብለይ።

     ሕጂባ ዘረባ መጸ እኖሄልካ ዘረባ

     ድንበዛናይ ተባዕ ወዲ ማይ ወዘባ

     ጅግንነትካ ዘደንቑ ካብ ርሑቅ ቀረባ።

     ጸላእትካ ይርዕዱ ምስ ትስቀል ኩርባ

     ከም ዝናብ ተዝንበሎም እሳት መሸንበባ

    ሓዊ ትኽዕወሎም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ።

ኣንታ በዓልቲ ዓቅሊ ወናኒ ተጻዋርነት

ጓል ኣቦይ ብላታ ነጋሲ ሰበይትካ ኣብርሄት

ኩሉ ጊዜ ዕውት ኢኻ በቲ ናታ ጸሎት

ብኣካ ትሓስብ ብኣካ ትትኽዝ ንግሆ ይኹን ምሸት

ብኹሉ መገዱ ብኹሉ እንታይነት

እዚ እዪ ከኣ ቀንዲ ምውቅ ሓዳር ማለት።

     ኣልኣዛር ቀለተ ትሰምዓኒ ዶ ኣሎኻ

     ደቀምሓረ ጎልጎል ዓቢ እንዳ ኣቦኻ

     ዮሴፍን ሚኪኤለን ክልቲኦም ደቕኻ

     ሓዲኦም የማናይ፡ ሓዲኦም ጸጋማይ ዓይንኻ

     ኣየወ ኩሉ ርኢናዮ ትድርብ ቓልስኻ

     ሃገር መጀመርያ ሰሪዕካያ ከም ቀዳማይ ምርጫኻ

     ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሓሊፉ ኣብቲ ኩሉ ጉዕዞኻ

     ቃልስካ ግን ኣይመከነን ደው ኣይበለን ኣባኻ፡

     ንውላድካ ኣውሪስካዮ ዋዕሮ ኣላ ብድሕሬኻ።

ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ተባሂልካ ኽትምቓሕ ኣብ እስርቤት

ንኹሉ ጢዒምካዮ ኢካ ቲ ናይ ቃልሲ ምረት

ምስ እቶም ቀዳሞትየ ሰሪዔካ ናይ ገድልና ሰረት

ኣንታ ጎይታ ሰላም ጎይታ ስምረት

ጎይታ ስመጃና ጎይታ ዓረት

ጎይታ ዶሽካንዲካ ኸቢድ ብረት

ክንዋጋእ ከሎና ምስ ናይ ደርጊ ሰራዊት

መኪናካ ብቀትሪ ትውንጨፍ ንቅዲሚት

ከይፈራህካ ብድፍረት ንናይ ጸላኢ ነፋሪት

ኣቦ ዮሴፍን ሚኪኤልን  ዶ ክብለካ ወዲ ዓዲ ሓየት

ታሪኽካ ተወቂጡዪ ተጻሒፉ ኣብ ሰነድ ምስ እቶም ቀዳሞት

ምእንቲ ባንዴራካ  ትዋደቕ ምእንቲታ ሰማያዊት።

      ኣርሓ ናይ መዓልዲ በዓል ድርብ መንጉዳ

     ንእስነት ሓሊፋካያ ንእስነት ዕዳ

     ኣንታ ሰባር ቅልጽም ሰባር በረኾዳ

     ወዲ መድሃኒኣለም ዕባይ ገዛ ባንዳ

     ዕባይ ናይ ላጌቶ ወደ ኣስመራ ጻዕዳ

     ሕጂ ከ ስሬካ መኖምዮ ክወስዳ።

እንዳቦይ ዘርኤ ብስድርኦም ተቃሊሶም ብሓባር

ኣርዕዑት  መግዛእቲ ጸላኢ ንምውዳቕ ንምስባር

ሪሂጾም ተኣሲሮም ደኪሞም ሃገራውነት ንምትግባር

ቀሊል ኣይኮነን ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ምስግጋር ።

       ንህዝቢ ኤርትራ ነጻ ከውጽኦ ከልብሶ ሐርነታዊ ብርሃን

       ደስ እዩ ዝብለካ ከም ናቱ ናይ ቃልሲ ኣባል ምኳን

       ኣብ ዝኮነ ግዜ ኣብ ዝኮነ ሰዓት ኣብ ዝኮነ እዋን

      ምስ ማሕበር ሸውዓተ ኮይኑ ተቃሊሱዩ ኣቦይ ዓንደብርሃን ።

ተክለብርሃን ዘርኤ ክመጽእ ናባካ

ጽምዲ ኬንኩም ጀሚርኩም ቃልሲ ምስ ሓውካ

ብዓል መን ነበሩ ኣብቲ ጉዕዞ መማክርትካ

እንታይ ነበረ መሳርያ ስንቂ ናይ ቃልስኻ

ግልጽ ከይበልካ ንድሕሪት ምስቶም መሳቱካ

ጦብላሕ ይብለና ወትሩ ተዘካሪ ጅግንነት ሓቦኻ።

      ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኣንጊሁ ዝመከተ

     ተክለብርሃን ዘርኤ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ

      ኤርትራ ኣይትግዛእን ዝበለ ደው ኢሉ ዝተማጎተ

      ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዐደየ ዓደየ ክበሃል ዝከተተ

     ንቓልስና ጀሚርኩም ተከልክምሉ  እምኒ መሰረተ።

ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ድሕሪ ምንህሃሩ

ምእንቲ ዛ ኩሉ ዝብህጋ ኩሉ ዝደልያ ሃገሩ

ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ኣብ ናኩራ ተኣሲሩ

ብፖለቲካዊ ጉዕዞ ናይ ተክለብርሃን እንተተዘኪሩ

ናይ ምንቕቃሕ ትምህርቲ ዩ ዝከውን ንሓዋሩ 

በዚ ከይኣከለ ኣብ ጀብሃ ደቁ ኣዓስኪሩ

ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ስድራኩም እንድዩ ኔሩ።

        ኣልኣዛርይ ቅሰን ቅሰን ኩሉ ዓሲልዎ ቃልስካ

       ተኪእካ ኣሎካ መንእሰያት ዝርከቡ ሕድርካ

       ቀሪቡ እዩ ሺግ ሓርነት ክበርህ ኣብ ዓድካ

       ክገሃድ ሕልሚካ  ክትረክብ ጻማ ጻዕርካ

      ኽምንቆስ ክምሖ ዲክታተር ጸላኢ ህዝብካ።

ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንስውኣት ኤርትራ

መንግስተ ሰማያት የዋርስካ።

ካብ ሓውካ ኣስመላሽ ክፍሊማርያም ሕ.ሃ.ኤ