ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማት፡ ኢሳያስን ኣብይን!

2023-05-06 12:44:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 885 times

(ክቱር ፍቕሪሲ፡ ሕሱም ጽልኢ ይወልድ  ደኣ ከይከው)

ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ብ2018 ዝተፈጥረ ዘይቅዱስ ዝምድና፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ከምኡ ክኸውን ዘገደደ እቲ ዝምድና ሃንደበታውን ዘይግሉጽን ስለ ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዲፕሎማስያዊ ቅጥዒ ዘይተኸተለ ምብባሩ’ውን እዩ። ንሓያሎ ኤርትራውያን ግና ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመኩሮታት ህግደፍ ነቒልካ፡ ብውሕዱ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን  ከምዘይነበረ ርዱእ ነይሩ። ኣይተሰምዑን እምበር፡ ናይ “ግጉይ ኣካይዳ እዩ” ስምዕታኦም ዘቕረኡ’ውን ነይሮም። እናወዓለ እናሐደረ ከኣ፡ ቀንዲ ዕላማ ዝምድናኦም ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዝነበረ፡ ብግብሪ ተራእዩ።

እዞም ብቐጥታ ብምሉእ ዓቕሞም ኣንጻር ሰራዊት ትግራይ ዝተሰለፉ፡ ህግደፍ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፡ ነናቶም ዝተፈላለየ ሕሳባት ሒዞም ስለ ዝኣተዉዎ፡ ካብቲ ውግእ ዝጽበይዎ ውጽኢት ተመሳሳሊ ኣይነበረን። ብሰንክ’ዚ ድማ ከምቲ ናብቲ ውግእ ብሓባር ዝኣተዉዎ ብሓባር ክወጹ ኣይተሰማምዑን። ትጽቢት ኢሳያስ ካብቲ ውግእ ንህወሓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ምጥፋእ ከም ዝነበረ፡ ኣቐዲሙ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ብዝብል ህንዱድ ጭረሖኡ ኣግሂድዎ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንህወሓት፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ስልጣን ናብ ዘይወዳደሮ ደረጃ ንምድኻሙ ምንባሩ ምልክታት ይህብ ነይሩ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ብወገኑ፡ ንህወሓት ኣዳኺምካ “ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊ ይምለስ” ብዝብል፡ ዘይሕገመንግስታዊ ቅኒት፡ ወልቃይትን ራያን ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምኽላል ከም ዝነበረ ሎሚ’ውን ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረበሉን ክተት ዝእውጀሉን ዘሎ  እዩ።

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፍ ዘይብል፡ ሰብኣዊ፡ ንዋታዊ፡ ገንዘባውን ካልእ ተዛመድቲ ዕንወታትን ከም ዘኸተለ ዓለም ብዓለማ ተገንዚባቶ ዘላ እዩ። ድሕሪዚ ግና ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዘሕደርዎ ተጽዕኖታትን ብምርብራብ ናይቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ተዋጋእቲ ወገናትን ናብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም። ከም ውጽኢቱ ድማ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ውዕል ሰላም ተኸቲሙ። እቶም ናብቲ ውግእ ብሓባር ዝኣተዉ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብማዕረ ኣይተቐበልዎን። ኢሳያስን ሓይሊ ኣምሓራን ቅድም ስምምዕ ከይብጻሕ ዝከኣሎም ጽዒቶም። ድሕሪ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ስምምዕ ሰላም ምኽታሙ ከኣ፡ ምስምሳት ክፈጥሩ ጸኒሖም። ሕጂ እውን ዓንቃፊ ጻዕሮም ኣየቋረጹን። ኢሳያስ ምርጫኡ ኣብ ውግእ ምቕጻል ከም ዝነበረ በቲ ከይሓፈረ፡ “ኣሜሪካ ካብቲ ውግእ ኮሊፋትና” ዝበሎ ክሳብ ክንደይ ህውከተኛ ድሌቱ ከምዘይረወየ ኣርእዩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ ትግራይ ክወጽእ እናተገበኦ፡ ዘርኣዮ ዕጥይጥይ፡ ብዙሓት ዝምልከቶም ዝተዓዘብዎን ክሳብ ሎሚ “ዓገብ” ዝብልዎ ዘለዉን እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከውጽእ ተጽዕኖ እናሓየሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንምምሕዳር ኢሳያስ ከየቐይምን ጉዳይ ኣምሓራ ናብ ግጭት ከእቱ ብዘይክእል ኣገባብ ክፈትሕን ተቐርቂሩ ከም ዝጸንሐ ብሩህ እዩ። ኢሳያስ በወገኑ ኣብ ርእሲቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከየውጽእ ዘርኣዮ ኣብያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ትግራይ ንከይወጽእ ከተባብዕ ከም ዝጸንሐ ኣይኮነንዶ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም  ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋት ሰላም ምዃኑ ዝኣምኑ ተዓዘብቲ ወገናት ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከም ዘዕቁብ፡ ዘሰልጥንን ዘዕጥቕን  የዛርብ ከም ዘሎ’ውን ሸለል ዝባህል ኣይኮነን። ፕረሲደንት ኣመሪካ ብ4 ጉንበት 2023 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝወጸን ከምዘይወጸን ዝከታተል ተወሳኺ ተቖጻጻሪ ኣካል ምምዛዝ ከድሊ እዩ”  ዝበልዎ ድማ ግምት ዝወሃቦ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእትውነት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም፡ ዝኸፍልዎ ዋጋ እናኸበዶም ከም ዝመጸ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም። ከም መቐጸልታ ናይዚ እዮም ከኣ ብ1 ጉንበት 2023 ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሃላላ ኬላ ዝበሃል መዘናግዒ ቦታ ክምርቑ እንከለዉ፡ “ኣባና ዝኾነት ነገር  ቀርማሕ ክትብል እንከላ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና እናኣተዉ፡ ክፍትፍቱ ዝደልዩ ሓይልታት፡ ብፍላይ፡  ድማ ኢትዮጵያዊ ዘይኮኑ፡ ተግባሮም ከቋርጹ የተሓሳስብ። ኢትዮጵያ ብምሕማስ ዝርከብ ረብሓ ከምዘየለ ተረዲኦም ናትና ጉዳይ ናባና ክገድፍዎ ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናቶም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡ ናታቶም ክሰርሑ፡ ከተሓሳስቦም እፈቱ።” ዝበልዎ ኣዝዩ ኣዛራቢ ኣበሃህላ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ መጠንቀቕታ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ በይኑ ወሲድካ ዝምዘን ዘይኮነ፡ ምስቲ ኢሳያስ ኣቐዲሙ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለ ዝኾነ፡ ኢድና እነእትወሉ እምበር ስቕ ኢልና ኣይንሪኦን ኢና ውግእ ትግራይ ከይወዳእናዮ ኣሚሪካ ኮሊፋትና” ዝበሎ፡ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ልዕሊ 6ተ ኣዋርሕ ምውሳዱ፡ ኣብ ቅትለት ላዕለዋይ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ግርማ የሺጥላ ኢድ ዝነበሮም፡ ሳሚን ልዑልን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ሰለይቲ “ኣብ ባህርዳር ተታሒዞም” ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ተደጋጊሙ ዝውረ ዘሎ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኮንትሮባንድ፥ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ገንዘብን ካልእ ገበናትን ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ይውጽኡልና” ይብልዎ ምስ ዘለዉ ኣዛሚድካ ክረአይ ዝግበኦ እዩ። እቲ ናይ ብዙሓት ጸለውቲ ኣካላት፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንክርሕቕ ተደጋጊሙ ከም ቅድመ-ኩነት ንገንዘባዊ ረዲአት ክንገሮም ዝጸንሐ መጠንቀቕታ’ውን፡ ን”ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማት ኢሳያስን ኣብይን” ዝህልዎ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ድሕሪ ውግእ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኤርትራውያን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ “መንግስትኹም ከይተእትዉዎም ኢሉና እዩ” ብዝብል ይዓግትዎም ምህላዎም’ውን ካብ ቃል ናይቶም ግዳያት ይስማዕ ኣሎ።

ምስዚ ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብቲ ዶር ኣብይ፡ “……ኢትዮጵያዊ ዘይኮኑ ሓይልታት፡ ካብ ተግባሮም ከቋርጹ የተሓሳስብ። …...፡ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናቶም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡ ናታቶም ክሰርሑ እሞ፡ ነቲ ናትና ናባና ክገድፍዎ፡ ከተሓሳስቦም እፈቱ።” ዝበልዎ፡  እታ “ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ” እትብል ሓረግ፡ ናይ ብዙሓት ቀልቢ እያ ስሒባ። “ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናቶም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡” ክውሰኻ እንከሎ ናብ መን የመልክቱ ከም ዘለዉ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። በዚ ዘይተጸብይዎ ዝሰንበዱ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ነዚ ኣበሃህላ ናብ ካልኦት ከላግብዎ ዘይምህዝዎ የብሎምን። እንተኾነ እዚኣ ካብ ንኢሳያስ ሓሊፋ ንኻልእ ትምልከት ኣይኮነትን። ኣብዚ ዕዉራት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ደድሕቲ ኢሳያስ ካብ ምህውታት፡ ነባሪ ረብሓን ጉርብትናን እምበር፡ ነባሪ ፖለቲካዊ ዕርክነት ከምዘየለ ኣቐዲሞም ክግንዘቡ ምተገብኦም።

ስለዚ እቲ ኣጀማምራኡ ቅንዕና ዘይነበሮ፡ ብዘይካ ኢሳያስ ንግዜኡ ካብ እገዳ ዝወጸሉን ንዶር ኣብይ ኣካታዒ ሽልማት ኖቤል ዝተመጠወሉን ስምምዕ፡ ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ሓደጋ ናይ ምውዳቑን  መሃዝቱ ብጐቦ ዓይኒ ምርእኣዮምን እትጽበዮ  እዩ።  ኣብ መወዳእታኸ እንታይ  ክወልድ እዩ? ድማ፡ ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ኪሮስ ኣለማዮ፡ “ ምቕናይ ምቕናይ ኩሉ ንምርኣይ” ዝበሎ፡ እንከታተሎ ክኸውን እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዘለዉ ኤርትራውያን ብኣግኡ ሕሳቦም ክገብሩ ከኣ ነዘኻኽሮም።

 

Last modified on Saturday, 06 May 2023 14:51