EPDP News

ናይ ዮሃና መልእኽቲ

%PM, %14 %784 %2018 %19:%Jun Written by

 

ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ብስም መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዅሎም ኣስላም ብሓፈሻ፡ ንኣስላም ኤርትራ ድማ ብፍላይ ናይ ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፈልኩም።

 

ሎም ዓመት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ፍቕርን ዝነፍሰላ ዓመት ክትኰነልና ዘለኒ ትምኒት ድማ እገልጸልኩም።

 

ኩሉ ዓም ዎ ኢንቱ ብኼር

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

14 ሰነ 2018

In a statement issued at the end of a two-day meeting on 27 May, 2018, the  Executive Committee of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) expressed full satisfaction by the performances of party organs during the period under review and highly commended the new Ethiopian leader's conciliatory tone promising better days for the region by ending the Eritrean-Ethiopian border conflict.

 

The EC regular meeting was opened with expressions of good wishes to all Eritreans at the occasion of their 27th Independence Day and by paying tribute to Martyr Mohammed Asselo, EPDP Central Council member who passed away last April while on duty in the Sudan. It then studied reports of various party organs; discussed arrangements for the upcoming Eritrea Festival 2018; finalized a paper on the modalities for the implementation of the 4 June 2017 EPDP Proposal for Joint Work with other sister organizations and finally reviewed developments in Eritrea and the region.

On EPDP Performances

By reviewing activity reports of the nine EC offices during the previous four months, the meeting observed exceptionally high achievements almost in all sectors of party activities. Special mention was made of the achievements in the spheres of organizational and public diplomacy and advocacy tasks that included EPDP leadership missions to Israel and UK as well as active participations in conferences and public events in the Netherlands, Germany and Canada. Among the commended activities was the party's continued advocacy work on behalf of Eritrean refugees in many critical places like Libya and Israel.

On Ethiopian PM's Signals for Peace

 

EPDP EC Holds Regular Meeting 1

On 27 May, the EC thoroughly discussed the positive gestures of the new Ethiopian Prime Minister, Dr. Abiy Ahmed, on the lingering border problem and urged his government to accept the Algiers Agreement and the ruling of the Eritrean-Ethiopian Boundary Commission (EEBC).

The EPDP leadership meeting, which was held nine days ahead of EPRDF's acceptance of the ruling, also alluded to past records and noted that the forces that eventually formed the EPDP were, from the start, of the position that the EEBC arbitration ruling was final and binding and that there was no need for another "dialogue" if not mutually agreed by both parties. The EPDP Executive Committee thus reiterated the party's resolve to continue advocating for the final resolution of the conflict peacefully.

 

ክቡራትን ክቡራንን

ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዅሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ኤርትራውን ፈተውቲ ሃገርና ኤርትራን ናይ ዮሃና መልእኽቲ የመሓላልፍ። ህዝብና ካብ’ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ ተጋላጊሉ፡ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዝነግሰሉ፡ ዜጋታት ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘኽትመሉ ዓመት ክዀነልና ድማ ይምነ። 

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ17ን 27ን ግንቦት 2018 ዝተኻየደ ካልኣይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ብዝኽሪ ስዉእ ተጋዳላይን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ነበርን መሓመድ ኣሰሎ ኢዩ ከፊትዎ። ኣብ’ዚ ካብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ዘጠቓለለ ኣኼባ ዝቐረቡ ዛዕባታት ድማ፡ ጸብጻባት 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ፈስቲቫል 2018፡ ንድፊ ትግባረ እማመ ሰዲህኤን ዝብሉ ነበሩ።

ንጥፈታት ሰልፊ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ከምዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ መዚኑ። ሰዲህኤ፡ ብመሰረት ናይ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት፡ ምስ ዝተፈላለያ ውድባትን ምስ ህዝብን ዘካይዶ ዘሎ ርክባት ተስፋ ዝህብን ኣበርቲዑ ክደፍኣሉ ዘለዎ ዕማምን ምዃኑ ርእዩ። ነቲ እማመ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ንድፊ ትግባረ እውን ተሊሙ ኣሎ።

ኣብ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ብኣባላት መሪሕነት ዝተኻየደ ዑደት ዝንኣድ ውጽኢት ከምዝነበሮ ገምጊሙ። ከምኡ’ውን፡ ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ’ዚ ርብዒ ዓመት ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ሀግ፡ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን፤ ብእጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ካናዳን ሽወደንን ዝተኻየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ብምኽንያት መበል 27 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ብምኽትል ኣደመንበር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ ቃለ-መሓትት...ወዘተ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝሕብሩ ምልክታት ምዃኖም ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።

ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ፓልቶክ መደብን ኣብኡ ዝዝረበሎም ዘለዉ ኣጀንዳታትን ትምህርቲ ዝቕሰሞምን ንሓድነት ናይ ደምበ ተቓውሞ ንቕድሚት ክደፍኡ ዝኽእሉ ኣበርክቶታት ዘለዎምን ምዃኖም ኣኼባ መዚኑ። ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጽቡቕ ተበግሶ ንምስፋሕን ኣሳታፊ ንምግባሩን ተወሳኺ ጻዕሪ ክግበር ከምዘድሊ ድማ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ርእዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሰዲህኤ ንጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ንጕዳይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ምጥባቕ፤ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕርታት፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት ከኣ፡ ህጻናት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ቀጻልነት ክህልዎ ንዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሰዲህኤ ኣብ ዜጋታቱ ዘለዎ ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝገልጽ ዕላማታቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ። ነቶም ነዚ ቤት ትምህርቲ ዝምውሉን ዝድግፉን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ድማ ምስጋናኡ የቕርብ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ እውን፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዕለት ዘቕርቦም መሃርቲ ርእሰ-ዓንቀጻት ብጽሑፍን ብድምጽን ዝዝርግሖም ዜናዊ ሓበሬታታት፡ ንሰልፋዊ ንጥፈታት ኣብ ምቅላሕ ዝጻወቶ ዘሎ ግደ ኣኼባ ንኢዱ።

ኣባላት ሰዲህኤን ደገፍቱን፡ ነዚ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ንጥፈታት ንምትብባዕ ክገብርዎ ዝጸንሑን ዝገብርዎ ዘለዉን ናይ ገንዘብ ወፈያታት ድማ፡ ኣኼባ ናእዳኡን ምስጋናኡን ገሊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብጕዳይ እቲ ካብ 3-5 ነሓሰ 2018 ኣብ ፍራንክፈርት ዝካየድ ፈስቲቫል 2018፡ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበሉ ጸብጻባት ሰሚዑን ንለበዋታታ መሊሱን። ናይ ሎምዘበን ፈስቲቫል፡ ንኣባላት ሰልፊ ዝምልከት መዓልትን ንህዝቢ ዝምልከት መዓልትን ተባሂሉ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ክዳሎ ምዃኑ እውን ተራእዩ ኣሎ።

ብጕዳይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝርከቡ ገለገለ ስሱዓትን ገበነኛታትን ኤርትራውያን፡ ናብ’ዚ ሃገር’ዚ ከነሰጋግረኩም ገንዘብ ስደዱልና እናበሉ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ናይ ምድንጋርን ስርቅን ተግባራት ደው ከብልዎ ሰዲህኤ ይጽውዕ። እቶም፡ መረጋገጺ ከይሓዙ ገንዘቦም ንመጠፋፋእቲ ዝህቡ ግዳያት ድማ፡ ካብ’ዞም ጐሓላሉ ክጥንቀቑ የዘኻኽር።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ገማግም ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድራትን ቅድድማትን እኹል ግዜ ሂቡ ብኣትኵሮ ተዘራሪብሉ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብስእነት ርግኣትን ወጥርታትን ይሳቐ ከምዘሎ ድማ መዚኑ። ብዝሒ ወተሃደራዊ መደበራት ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ዞናና ድማ ምልክት ናይ ዘይምርግጋእ እምበር ናይ ጥዕና ምልክት ከምዘይኰነ ኣስሚርሉ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓማምን ትርጕም ዘይብሉን ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ይኹን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣካል ናይ’ቶም ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽግራቶም ብልዝብ ክፈትሑ፤ ሰራዊታት ክልቲኡ መንግስታት ናብ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ቦታታት ክምለሱ ዝጽውዑ ዝነበሩ ሃገራውያንን ኣህጕራውያን ሓይልታት ኢና ኔርና። ክልቲኦም ሸነኻት፡ ማለት መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን፡ ነዚ መጸዋዕታ ዕሽሽ ኢሎም ናብ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ውግእ ድሕሪ ምእታዎምን ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ኣህዛብ እዚ ዘይብሃል ህልቂትን ብርሰትን ምውራዶምን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ነቲ ውግእ ደው ኣቢሎም ናብ ፍርዲ ክኸዱን እቲ ዝውሃብ ፍርዲ ድማ ቀያድን ናይ መወዳእታን ክኸውን ተሰማሚዖም ከምዝኣተውዎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ልዕሊ  ምዝካር፣ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰዲህኤን፡ ካብ ብጊሓቱ፡ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝግባእ ክጒስጒሱ ምጽናሖም ዘኪሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ብይን’ዚ ኣብ ክንዲ ምትግባር ነቲ ኮሚሽን ዶብ ዝገበሮ ብይን ብመትከል ንድግፎ ኢና፡ ኣብ ትግባረኡ ብዝምልከት ግን ልዝብ ክግበር ኣለዎ ብምባል፡ 5 ነጥብታት ዝሓዘለ ናይ ልዝብ ቅድመ-ኵነት ብምቕራብ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኵነታት ከምዝቕጽል ገይሩ ምጽናሑ ዝዝከር ኢዩ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ሕቶ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንፈትሖ ይግባእ ኢሉ ጻዕሪ ምክያዱ ዝድገፍን ተስፋ ዝህብን ኢዩ።  ሰዲህኤ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሰላማዊ ፍታሕ ዝግበር ጻውዒት ይኹን ጻዕሪ ደጋፊኡን ኣብ ጐድኑ ደው ኢሉ ንምዕዋቱ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብርን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብራዊ ተበግሶ ክወስድ ንጽውዕ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

ፈጻሚ ሽማግለ

7 ሰነ 2018

ነቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ` ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ጐንጺ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ንኣብ እስራኤልን ኩሉ ሓደገኛ ኩርነዓት ዓለምን ዘለዉ ሓለዋ ዘድልዮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገብሮ ሓለዉኡ ከዛይድ ጸዊዑ።

ጸብጻባት ከም ዝሓበሮ፡ ደገፍቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብዘሳወሮ ግጭት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ተልኣቪቭን ማላኪን ኣብ ልዕሊ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ጉድኣት ኣጋጢሙ። ኣብቲ ጐንጺ ካራሩን ኣእማንን ከም ዝተዘውተረ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ብ4 ሰነ 2018 ከኣ ቀጻሊ ናይ ገዛገዛ ምድፋእ ተኻይዱ። ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ብሰንክቲ ግጭት ካብ ደገፍቲ ህግደፍ 13 ካብ ተቓወምቲ ከኣ 3 ስደተኛታት ንክሕተቱ ተኣሲሮም ኣለዉ።

ናይቲ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝተላእከ መዘክር ሰዲህኤ ቅዳሑ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ዘለዋ ኤምባሲታት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ናብ ዝርከብ ልኡኽ እስራኤል ቅዳሑ ተላኢኹ እዩ። እዚ መዘክር ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራ ናይ ግጭትን ምፍልላይን ማሕበረሰብ ኤርትራ ጠንቂ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣተሓሒዙ ከኣ ካብ ገበነኛታት ሓለዋ ምግባር ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣስፊሩ።

ምስዚ ሰዲህኤ ኣብዚ መዘክሩ፡ እስራኤላውያን ሓለፍትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶምን ኣብ ልዕሊ’ቶም “ስደተኛታት” ብዝብል ጉልባብ ንመንግስቲ ኣስመራ ዝድግፉ ናብቲ ዝቖጸሮም መንግስቲ ክመልስዎም መሰረታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።

እቲ መዘክር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ካልእ ከባብታት’ውን ኣሻቓሊ ምህላዉ ኣመልኪቱ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንግዳያት ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ንዘለዉ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ቅትለት ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ሊቢያ ባኒዋሊድ ዝበሃል ቦታ ዝደሓኑ 140 ኤርትራውያን ዝገብሮ ደገፍ ንከዛይድ ተማሕጺኑ።

Amid reports of serious clashes between Eritrean regime supporters and regime opponents in Israel, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) on 5 June urged the  UNHCR Chief, High Commissioner Filippo Grandi, to strengthen protection for Eritrean asylum seekers in Israel and other dangerous places including Libya.

Reportedly instigated by agents of the Eritrean Embassy in Israel, the clashes in Tel Aviv and Kiryat Malakhi during the past weekend, caused serious injuries affecting  many asylum seekers who were celebrating the 27th independence anniversary of their country. Knives and stones were used in the brawls. Further house-to-house scuffles took place on Monday, 4 June, and there were fears that they may continue. A BBC report said that 13 of the pro-regime assailants and three of the regime opponents were arrested for questioning.

The EPDP memorandum to UNHCR, which was also copied to the African Union, the African embassies in Israel and to the Israel envoy to the UN headquarters in Geneva, stated that embassies of the Eritrean regime in many countries are the source of divisions and clashes among Eritrean communities and asked enhanced protection from agents of the criminal regime in Asmara.

The EPDP appeal also called upon "the Israel authorities and all other concerned governments to identify the so-called "refugees" supporting the regime in Asmara and take drastic action of sending them back to their employer - the  Eritrean regime" itself.

The memorandum also alluded to the disquieting situation of Eritreans in other places, and urged the UNHCR  "to do more in support of the victimized Eritrean asylum seekers stranded in Libya, and in particular to the 140 survivors of the recent killings by human traffickers at Libya's Bani Walid".

 

ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዝጸውዖ መሰረት፡ ቀዳም 02 ሰነ 2018 ብመራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ ሰዲህኤ መላእ ዞባታት ናይ ምልላይ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ወከልቲ ምምሕዳራት ኣብያተ ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፣ መንእሰያት፣ ውደባን ዜናን፣ ዞባታት ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ኣውስትራልያ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ እስራኤል፡ ከምኡ’ውን መሪሕነታዊ ልኡኽ ሰልፊ ናብ እስራኤል ክኾኑ እንከለዉ ብሕጋዊ ኰነ ተክንካዊ ምኽንያታት ክሳተፉ ዘይከኣሉ ድማ ወከልቲ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ነበሩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣኼባ፡ ነቲ ዑደት ልኡኽ መሪሕነት ናብ እስራኤል ዘሰላሰሎ ዕዉት ስርርዓዊ ዕዮ ንምኽላልን፡ ኣብ ዞባ እስራኤል ዝቖመ ሓድሽ ውድባዊ ምምሕዳር ምስ ዞባታትን ምምሕዳዳራዊ ትካላትን ንምልላይን እዩ።

እዚ ኣኼባ ብሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ወ.ሮ ኣድያም ተፈራ ተማእኪሉ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ሓላፊ ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ድማ ንዕዉት ዑደት እስራኤል ድሕሪ ምምጓስ ብዛዕባ ስርርዕ ሰልፍን፡ ንምንታይ ከም እንቃለስን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መደረኡ፡ ንፖሊቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰልፊ ብምጥቃስ “ሰዲህኤ ማለት ንህዝቢ እሙን ምዃን ማለትዩ። ተኣማንነት ሰዲህኤ ነቲ መግዛእቲ ድሕሪ ምስዓር የብቅዕ ዝበልናዮ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ከም ሃገር ዝበሃግናዮ ግን ዘየረጋገጽናዮ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና ንምርግጋጽ ኣብ ምቅላስ እዩ ዝምርኰስ፤ ብመሰረቱ ጸረ ድንቁርና ሕማምን ድኽነትን ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ሰልፍና ንህዝቡ እሙን እዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ቀዳማይ ዕማም ንምልኪ ምስዓር ብምኻኑ፡ ምእንቲ’ዚ ንውደብ ምእንቲ’ዚ ድማ ስሩዕ ናይ ቃልሲ ህይወት ንመርሕ” ክብል ኣብሪሁ። ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ነቶም ኣብ እስራኤል ተወዲቦም ኣካል ስድራ ቤት ሰዲህኤ ኰይኖም ቃልሲ ኣበጊሶም ዘለዉ ዮሃና እናበለ ጽቡቕ ሌላን ዕዉት ናይ መጻኢ ሓባራዊ ስራሕን ተመንዩ።

ድሕሪ መግለጺ ኣቶ ተስፋይ ነቲ ንኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ክፈልጥን ምስኦም ክራኸብን ዝተላእከ፡ ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎንን ኣቶ ትኩእ ተስፋይን ዝቖመ ልኡኽ መሪሕነት ዕድል ተኸፊቱ። ነዚ ዕድል’ዚ ብምጥቃም ኣቶ ትኩእ ተስፋይ በቲ ማራኺ ኣቀራርባኡ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ኣስራኤል ብሓፈሻ ብዛዕባ ዝተኻየደ ዕዉት ዑደት ድማ ብፍላይ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ኣብ ሃገር እስራኤል ምስቲ ኩሉ ዘጋጥሞም ጸገማት፡ ንኩሉ’ቲ ንህላዌኦም ዝደናደን ኩነታት በዲሆም ክምህ ከይበሉ ንቃልሲ ዝዓጠቑ ውፉያት ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ነቶም ኣባላት ሰልፊ ከይኖም ተወዲቦም ከይተሓለሉ ዝቃለሱ ዘለዉ ድማ ኣመጒሱ።

ቀጺሉ ኣቶ ጸጋይ ተስፋይ ካብ ዞባ እስራኤል ነዚ ናይ ሌላ መድረኽ ድሕሪ ምንኣድ፡ ንሃለዋት ዞባ እስራኤልን ነቲ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰዲህኤ ስርርዓትን ብምምልካት፡ ዕዉት ዕማማት ንምክያድ ዓጢቑ ከም ዘሎ ብሰፍሓት ኣብሪሁ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ሌላ መድረኽ ነተሳተፍቲ ኣኼባ ተኸፍተ’ሞ፡ ወከልቲ ምምሕዳራት ኣብያተ ጽሕፈት፡ መሪሕነት ዞባታት ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ብተርታ ዕድል ብምርካብ ንመንነቶም፡ ሓፍነቶም፡ ትካላቶምን ዘሰላሰልዎ ኣሳልጦታትን ገለጹ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ እቶም ብስራሕ ምኽንያት ክሳተፉ ዘይከኣሉ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ፣ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳቕ ወልደማርያም፣ ኣባል መሪሕነታዊ ልኡኽ ናብ እስራኤል ወ.ሮ ፈቨን ገዲዎን፣ ከምኡ’ውን ወከልቲ ካብ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ተገሊጹ።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ምዉቕን ልዙብን ኣኼባ፡ ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት ክቕጽል ለበዋታት ካብ ኣኼበናታት ድሕሪ ምትሕልላፉ  ወ.ሮ ኣድያም ተፈራ ናይ መፋነዊ ቃል ድሕሪ ምሃብ ኣኼባ ተዛዘመ።

ኣባል ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሓላፊት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ኣብ ካናዳ ከተማ ዊኒፐግ ብዕለት 20 ጉንበት ዝተኻየደ ሰፊሕ በዓል መዓልቲ ምሕዳስ መብጽዓ ተሳቲፋ።

እዚ ልዕሊ 300 ሚእቲ መብዛሕተኦም መንእሰያት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ድሙቕ በዓል ብህድሞና ዝበሃል ሲቪካዊ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እተዳለወ እዩ። ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ብህድሞና ብዝተገብረላ ዕድመ ክትሳተፍ እንከላ ኣብርእስኡ’ውን ምስ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዊኒፐግ ብዝዕባ ምምስራት ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንምዝታይ እዩ ነይሩ።

ሰንበት 20 ጉንበት ቀትሪ ምስ ግዱሳት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣኼባ ብምክያድ ስለምንታይን ብኸመይን ክንውደብ የድልየና ካብ ሕሉፍ ተመኩሮታት ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮናኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ነዊሕ ምይይጥ ኣካይዳ።

  1. ብሓፈሽኡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንመሰልና ተወዲብና ክንቃለስ መተካእታ ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ ካብ ተጽዕኖ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት ናጻ ክኸውን እቲ ቐንዲ መሰረት ናይ ዉዳበና ክኸውን ከምዘለዎ
  2. ናጻ ካብ ተጽዕኖ ናይ ዉድባት’ምበር ኣብ እንዓግበሉ ፖሊቲካዊ ዉድባት ኣባላት ክንከውን ከምዘይክልክለና
  3. መሰረት ናይ ምግሃስ መሰልና ድሕረትን ድንቁርናን ስለዝኾነ እቲ ቓልሲ ምስ ኩሉ እቲ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሃገርና ዝቃለስ ሓይልታት እነካይዶ ምዃኑ
  4. ድሕረት ኣብ ባህልና ስለዘሎ ኣባና’ውን ከምዘሎን ክንቃለሶ ከምዘሎናን
  5. መሰልና በቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝጭቁን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዕልታዊ ሂወትና ከምዝገሃስ
  6. ኣብ ስድራቤት መሰልና ምሕላው ሰላምን ቅሳነትን እምበር ቆዮቛን ዳንኬራን ከምዘየምጽእ ኣብሪሃ።

ተሳተፍቲ ብተገዳስነት ድሕሪ ምስማዕ በቲ ኣኼባ ሕጉሳት ምዃነን ገሊጸን። ቀጻሊ ርኽክብን ምኽሪን ከምዘድሊ ተላብየን።

ብድሕሪ’ዚ ምሸት ኣብ’ቲ ህዝባዊ በዓል ተረኺባ ብተሳተፍቲ ኣድናቖት ዘትረፈ መደረ ኣቕሪባ። እቲ በዓል “መዓልቲ ምሕዳስ መብጽዓ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ። ኣሕዋት ገዛኢ ሓጎስን ማህድረን ህዝብና ብዘደንቕ ጽንዓትን ተወፋይነትን ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሱን ብእሻሓት ተሰዊኡን ሰንኪሉን ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንተናገፈ፡ ከምህዝቢ ገና ሓራ ስለዘይወጻእና ሎሚ መዓልቲ ህዝብና ካብ ምልኪ ተላቒቑ ፍትሕን ሰላምን ምእንቲ ከስተማቕር ቃልስና ክነሕንን መብጽዓ ንኣትወላ መዓልቲ እያ ክብሉ መደረታቶም ኣቕሪቦም። 

Winnipeg Event 2

ቀጺላ ወ/ሮ ኣስገደት ከም መቐጸልታ መደረታቶም ብፍላይ ኣብ ሕሰምን መከራን ደቂ-ኣንስትዮና ብምትኳር መግለጺ ኣቕሪባ። ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የሎን። ጓል ኣንሰይቲ ኤርትራ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ብዓቢኡ ብረት ተሓንጊጣ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋታ ደቂ-ተባዕትዮ ተሰዊኣን ሰንኪላን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ናይ ስለላ ስራሓት ኣካይዳ፡ ኣብ ገጠራት ዝነበረት ሰንኪታ ተጋደልቲ ዓንጊላን ደም ዉጉኣት ሓጺባን፡ ኣብ ስደት ዝነበረት ከዲማ ተጋዳላይ ዓንጊላ ሰውራ መዊላን። ይኹንምበር ድሕሪዚኹሉ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ፍረጻማኣ ከይረኣየት ተጠሊማ ኣደዳ ስደትን ዉርደትን ኮይና ትርከብ። እታ ተጋዳሊት’ውን ተጠሊማ ኣብክንዲ እተዕርፍ ሕጂ ኣብዕብየታ ትስደድ ኣላ። እታ ክትወልድ ዕድል ዝገበረት ድማ ደቃ ወይ ክስደዱ ወይ ክእሰሩ ትሪኢ ኣላ ድሕሪ ምባል ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መኣእ ዓለም ገኒኑ ዝርአ ዘሎ ጭቆናን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ጠንቁ ተባዕታዊ ትምክሕቲ እዩ። ትምክሕቲ ድማ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ይብገስ። ስለ’ዚ ወጽዓና ምስ ሓደ ስርዓት ዝመጽእን ዝጠፍእን ኣይኮነን። ሕቶና ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እዩ። እቲ ኩሉ ምእንቲ ፍትሒ እቃለስ ኣለኹ ዝብል እጃሙ ዘበርክተሉ ፍትሓዊ ቃልሲ እዩ። ዲሞክራሲን ፍትሒን ባህሊ ክሳብ እንገብሮ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ክኽበር ኣይክእልን። ፍትሒ ኣብ ሃገርና ምእንቲ ክነግስ ኣምበኣር ንፍስወከፍና ድንቁርና ብንቕሓት ክንትክእ እቲ ቃልሲ ኣብ ገዛና ክጅምር ኣለዎ። ኣብ ስደት ዘሎና ሂወትና ዝያዳ ዝኸበደ እዩ ኮይኑ።

ኣዴታትና ናይ ገዛ ሓላፍነት ጥራሕ እዩ ነይሩወን። ንሕና ግን ከማኹም ወፊርና ክንሰርሕ ንግደድ። ኣብ ገዛ ተመሊስና ድማ ምሉእ ሓላፍትነ ናይ ገዛን ቆልዑን ኣብና ይወድቕ። ዝለ’ዚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እየ ዝብል ኣብ ገዛይ ፍትሒን ዲሞክራሲን የተግብር ዶ ኣለኹ ኢሉ ነብሱ ክሓትት ይግባእ። ንሕና ደቂ-እንስትዮ’ውን ድሕርት ካብ ነብስና ክነወግድ ይግባእ። ላም ፍርቂ ነብሳ ኣይትሰብሕን። ድሕረት’ውን ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ ጥራሕ ዘሎ ኣይኮነን። ሃገርና ክትምዕብልን ዲሞክራሲ ክትከልን ክዕምብብን ብማዕረ ክንነቅሕ የድሊ ብምባል ብኩሉ ኣኼበኛ ተቐባልነት ዝረኸበ መደረኣ ደምዲማ።

ቐጺሉ ድምጻዊ ሳሚ መብራህቱ በቲ ጥዑም ድምጹን ቁምነገራዊ ትሕዝቶ ደርፍታቱን ወኒ ኣኼበኛ ቀስቂሱ ዘገርም ባህላዊ ምሸት ኣምስዮ።

ንጽባሒቱ ሰኑይ ጉንበት 21 ንግሆ ምስ ኣባላት ጨንፈር ዊኒፐግ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ተደናገጽቲን ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍናን ዝርአ ዘሎ ኣዎንታዊ ምዕብልናታትን ገሊጻ። ንዝቐረበላ ሕቶታት ድማ መሊሳ። ድሕሪ ቐትሪ፡ እንደገና ምስ ግዱሳት ደቂ-ኣንስትዮ ኣኼባ ኣካይዳ። ከመይ ንዉደብ ንዝብል ሕቶ ብዕምቆት ተዘትዩሉ። ቀጺሉ ንዝቐረበላ ሕቶታት መሊሳ። ወ/ሮ ኣስገደት፡ ኣዝያ በቲ ዝተገብረላ ኣቀባብላ ሕጉስቲ ምዃና ገሊጻ። ብናህሪን ሃገራዊ ፍቕርን፡ ዘለወን ድሌት ናይ ምውዳብን ኣዝያ ከምዝተደነቐትን ከምዝተሓጎሰትን ሞራልን ተስፋን ከምዝሃባኣን ኣብሪሃ።

 ሽማግለ ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

30 ጉንበት 2018

 

  

Festival Frankfurt 2018

%PM, %31 %879 %2018 %22:%May Written by

“ትሪቡን ደ፡ ጀነቫ” ዝተባህለ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ካብቶም 700,000 ዝግመቱ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ስደተኛታትን ተመዛበልትን 19, 370 ነናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱን ኣብ 2018 ድማ 30,000 ክምለሱ መደብ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጉዳይ ስደተኛ ዝምልከቶም ትካላት ከም ዝሓብርዎ ኤርትራውያንን ሱርያውያንን ዝምለስሉ ውሑስ ሃገር የብሎምን።

 

ኣብ ሊቢያ ኣስታት 50,000 ሰተኛታት ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምዝጉባት እዮም። እንተኾነ እቲ ናብ 3ይ ሃገር ናይ ምስግጋሮም መስርሕ ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ኣይኮነን። ካብቶም ስደተኛታት 1,342 ናብቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ህጹጽ መሰጋገሪ መደበር ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ከም ዝተሰጋገሩን ኣብ 2018 እውን 5,000 ከም ዝተሰጋገሩን ተፈሊጡ። እንተኾነ ሰብመዚ ኒጀር ካብ ሕጂ ንድሕሪት ተወሳኺ ስደተኛ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ጉዳይ እቶም ስደተኛታት ንዝምልከቶም ትካላት ይሕብሩ ኣለዉ።

 

ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣብ ኒጀር ዘለዉ ስደተኛታት 322 ጥራይ እዮም ናብ ኤውሮጳ ናይ ምስጋር ዕድል ረኺቦም። ካብዚኣቶም 40 ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም ኣለዉ። ኤደን ሓንቲ ካብቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝበጽሑ ናይ ንጀር ስደተኛ መንእሰይ እያ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ኤውሮጳ ከም ትበጽሕ ርግርጸኛ ከምዘይነበረት ሓቢራ። ኣብ ኒጀር ኒያሚ ንምብጻሕ ዘጋጠማ ዘጨንቕ ጉዕዞ ካብቲ ቅድም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ጀሚራ ደሓር ድማ ናብ ሱዳንን ሊቢያን ክትበጽሕ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ኣብሪሃ።

ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ እዞም ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዘለዉ፡ 700,000 ዝኾኑ ስደተኛታት መናገዲ ዓመጸኛታትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም፡ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝለዓለ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጾም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት 200 ናጀርያውያንን 100 ሶማላውያንን ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ። ናጀርያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2017 እውን 5,000 ዜጋታታ ናብ ሃገሮም መሊሳ እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ክትመል ቃል ኣትያ ኣላ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ብዛዕባ ዘለዉ ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ዝግደስ ኣይኮነን