
ኦሊሰጎ ኣቦሳንጆ ካብ መቐለ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዕም፡
Thursday, 24 November 2022 19:39 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ብ24 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝበጽሑን፡ በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም መሰረት “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ይግባእ” ከም ዝበሉን ድምጺ ወያነ-ትግራይ ሓቢራ። በቲ ካብ ድምጺ ወያነ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ዕላማ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመስርሕ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምሕጋዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብወገኖም፡ ነቲ ዝተኸተመ ስምምዓት ብዝምልከት ኣብ ናይ ህዝብን ሰራዊትን መድረኻት ምርድዳእ ይግበር ከምዘሎን፡ ኣብ መዲያታት እውን ነቲ ስምምዓት ቆላሕታ ብምሃብ መግለጽታት ይወሃበሉ ከምዘሎን ገሊጸምሎም። ኣብ ትግራይ በዂረን ዝጸንሓ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፡ ናብ ንቡር ክምለሳ እየን ብዝብል ተስፋ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ እውን ዶ/ር ደብረጼን ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ገሊጸምሎም።
ዶ/ር ደብረጼን ኣተሓሒዞም ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጌና ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ንጹሃት ዜጋታት ግፍዒ የውርድን ነቲ መስርሕ ሰላም ዘሪጉ ናብ ውግእ ክመልሶ ይጽዕር ከምዘሎን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ካብቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዛተዩ ሓደ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኖም መስርሕ ትግባረ ውዑል ሰላም ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ወከልቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሽረ ከም ዝራኸቡ ምግላጾም ድምጺ ወያነ ጠቒሳ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ምድላዋቱ ከም ዘጻፈፈ ናይቲ መንገዲ ኣየር ዋና ፈጻሚ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም። እቶም ዋና ኣፈጻሚ ከም ዝጠቐስዎ ናይቲ መንገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ምጅማር፡ ረዲአት ቀልጢፉ ክበጽሕ ወሳኒ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ጠቒሶም። ቅድሚ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ምጅማሩን ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ትግራይ ብዙሕ ዕለታዊ ብረራታት ከም ዝነበረ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ናይቲ መንገዲ ኣየር ኣዘኻኺሮም።
ንስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተኸቲሉ ዝካየድ ምጅማር በረራ ናብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ንጥፈታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እውን ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረን ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዝኽእልሉ ደረጃ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ናይ ኣኽሱም ግና በቲ ውግእ ስለ ዝተጐድአ ጌና ጽገና ከም ዘድልዮ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ኣብቲ ሓበሬታኦም ተቒሶም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ በቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ከም ዝተተባብዑ ገሊጸምሎም። ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ብፍላይ ድማ ኣብ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ረዲአትን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ቀልጢፉ ንክስራሕ፡ ከም ዘተሓሳሰብዎም ካብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ከየውጸአት፡ ካብ ኣሜሪካ እትረኽቦ ሓለፋ የለን ተባሂሉ
Monday, 21 November 2022 22:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ቁጠባዊ ልምዓት ንክቕጽል፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ትግራይ ዝበጸሓቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከም ዝግበኣ ኣሚሪካዊት ላዕለወይቲ ሓላፊት ኣፍሊጠን።
እተን ከምዚ ዝበለ መግለጺ ዝሃባ ሓላፊት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞለ ፊ እየን። ንሰን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ብዛዕባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ መብርሂ ክህባ እንከለዋ፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተሓቲተን መልሲ ኣብ ዝሃባሉ እየን። ኣብቲ መልሰን ኢትዮጵያ በቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ሃገራ ከተውጽእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሰማሚዓቶ ዘላ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሃገራ ከተውጽእ ይግበኣ ኢለን።
ብመሰረት ናይተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት መግለጺ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኡ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝነበሮ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ናይ ልምዓት መደባትን ክቕጽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ። ብፍላይ ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ትባሂሉ ዝወጸ ኣጎዋ ዝበሃል፡ ፍርያት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ክቐርብ ዝፈቅድ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ዝነበራ ሓለፋ ዳግማይ ክወሃባ፡ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ዝወሃባ ሓገዝ ክቕጽልን እንተኾይኑ፡ ኣብ ግብራውነት ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝምርኮስ እተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት ሞለ ፊ ኣፍሊጠን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ካብ ትግራይ ናይ ምውጻእ ኣብያ፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ወሃብ ቃል ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ፍሉይ ሓይልን መሊሻን ኣምሓራ ካብ ትግራይ ዝወጹ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ድሕሪ ምፍተሖም እዩ” ዝብል መግለጺ ምሃቦም ኣብ ልዕልቲ ስምምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።
\
ኣብታ ብሕታዊት መንግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ይስሃቅ መሓሪ ከም ዝተኣስረ፡ ሬድዮ-ኤረና ብ19 ሕዳር 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ሓቢራ። ይስሃቕ ማሓሪ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ካብ ግዱድ ውትህድርና ዝተሓብአ ወዱ ስለ ዘየረከበ ምዃኑ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ።
እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ መሓሪ ዝተሓብኣሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ግድዱ ውትህድርናን ተሳትፎ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያን ብምቅዋም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። ብሰንክዚ ቤተሰብ ይስሃቅ መሓሪ ካብ መንበሪ ገዝኦም ክወጹ ተገዲዶም ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ካብ ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ደቅኹም ናብ ውትህድርና ኣየረከብኩምን ብዝብል፡ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ይእሰሩ፡ መንበሪ ኣባይቶም ይዕጾውን ንብረቶም ይውረስን ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ምስሊ ካብ ቢቢሲ ናይቲ በቲ ባርዕ ዝዓነወ
ኣብ ሱዳን: ተጋሩ ዝተዓቖብሉ መደበር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብ15 ሕዳር 2022 ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ዝደተኛታት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ ቢቢሲ/BBC ንናይቲ መደበር ምክትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ኣብቲ መደበር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመን ብፍላይ ብ8 ጥሪ 2022 ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ 67 ህዝያዊ መጽለሊ ኣባይቲ ዓንዮም 175 ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ባርዕ ካብቲ መደበር ብፍሉይ መጸውዒኡ “ቁጽሪ-3” ኣብ ዝተባህለ ኩርናዕ ብዘጋጠመ 51 ብቴንዳን ዕንጸይትን ዝተስርሑ ኣባይቲ ዓንዮም 130 ሰባት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ እቲ ዜና ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝነደደ ኣባይቲ ዝነበረ ሰነዳት፡ ክዳውንትን ካልእ ንብረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነደደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይቲ መደበር ስደተኛታት መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ እንታይ ከም ዝኾነ ይጻረ ከም ዘሎ ተቒሱ፡ ናይቲ ግዝያዊ ኣባይቲ ኣቀማምጣ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ምኽንያት ናይቲ ባርዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቱ፡ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ከም ዝተላዕለ ኣፍሊጡ። ነብርቲ እቲ መደበር ንመስርሒ ገዘ ኢሎም ዝእክብዎ ሳዕረን ንበምሰሊ መግቢ ዝቕርብዎ ዕንጸይትን ነቲ ባርዕ ከም ዘጋድድዎ’ውን ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።
ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብ28 ለካቲት 2022 ብዝተኻየደ ምምዝጋብ መሰረት፡ 19, 189 ስደተኛታት ከም ዘለዉን፡ ድሕሪዚ ሓድሽ ባርዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓደስቲ መጽለሊ ቴንዳታት ይተክል ከም ዘሎን ካብቲ ካብ ቢቢሲ/BBC ዝተረኽበ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጽእ፡ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ጸዋዒት ቀሪቡ
Tuesday, 15 November 2022 14:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣሜሪካዊ ኣባል ባይቶ ብራድ ሼርማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻልን ዝተኣማምንን ሰላም ዝመጽእ ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ሃገር ምስ ዝወጹ ምዃኑ ገሊጾም። እቶም ኣባል ባይቶ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ፡ ምስ ኣማኻሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምኽያዶም ምዃኑ እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቶም ኣባል ባይቶ ናብቶም ሓላፊ ጸጥታ ኣሜሪካ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ኣብቲ ጸዋዒቶም ገሊጾም።
ብራድ ሼርማን ኣብ ርእሲቲ ናብቶም ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፦ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝቐጽዕ ውሳነ ክውሰን ከም ዝጸውዑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብስም 2% ዘኽፍሎ ገንዘብ ንክምርመር ጸዊዖም።
እቶም ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽኒዑ ዝጸነሐ እገዳ ዕዳጋ AGOA፡ ክሳብ፤ ሰብኣዊ ረዲአት መግብን መድሃኒትን ንመከፍፋሉ ዘድሊ ነዳድን ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ዝበጽሕ፡ ከምኡ እውን ተሓልቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ተጋሩ ብኣልማማ ተዳጒነምሉ ናብ ዘለዉ ቦታታትን ክኣትዉ ክሳብ ዝፍቀደሎም እቲ እገዳ ክጸንዕ ተማሕጺኖም።
እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን ዝተብጽሐ ስምምዓት ክጸንዕ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝምህጸንሉ ዘለዉ ግዜ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቃላሕ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ስምምዓት እውን ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኬንንያ፡ “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ” ብዝብል ተጠቒሱ እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ እቲ ውግእ ምስትጀመረ ከሎ ግና፡ ብ21 ሕዳር 2020፡ “ስርዓት ህግደፍ ባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ” ከም ዝበለ ዝዝከር እዩ።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ስምምዕ ከቲሞም
Saturday, 12 November 2022 21:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያን ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ክልል ትግራይን ብ12 ሕዳር 2022 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሮተርያ ዝምልከት ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተሙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብቐጥታ ኣመሓላሊፈናኦ።
እቲ ናይ ናይሮቢ ስምምዕ፡ ኣብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመስሪቱ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ክልላትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ሰብኣዊ ረዲአት ብቐጻሊ ክቐርብን፡ ኣብ መስርሕ እቲ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ንሰራሕተኛታትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲአት ኣድላይ ዝኾነ ሓለዋ ክግበረሎም ኣረጋጊጹ። ብዘይካዚ ንምንቅስቓስ ሲቪል ወገናት እውን ኣድላይ ናይ ሰላም ውሕስነትን ሓለዋን ንክግበረሎም ኣብቲ ስምምዕ ተጠቒሱ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ቀጻሊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክጸንዕ እውን ኣብቲ 6 ገጻት ዝሓዘ ክልቲኦም ወገናት ዝኸተምሉ ስምምዕ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።
ነቲ ካብ 7 ክሳብ 12 ሕዳር 2022 ድሕሪ ምዝታይ ዝተበጽሐ ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ምስ ከተሙ፡ ናይቲ ወተሃደራዊ ልኡኻት መራሕቲ ሓጸርቲ ቃል ኣስሚዖም። በዚ መሰረት ፊልድ ማርሻ ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ዘተ ብጽቡቕ መንፈስ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ድልዉነት ኣረጋጊጹ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ብኣዝዩ ከቢድ መከራን ጨንቅን ከሕልፍ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ንኽትሞ ዘለና ስምምዕ ፡ ንህዝብና ካብቲ ዝጸንሖ መከራ ከናግፎ እዩ ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን እዩ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንረብሓኦም ክብሉ ክዕንቅፍዎ ዝደልዩ ወገናት ከም ዝህልዉ ጠቒሱ፡ እቲ መፈራርምቶም ወገን፡ ህውከት ጠጠው ኣብ ምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰብኣዊ ቀረብ ኣብ ምቕጻል እውን ብዘይገደብ ክሰርሕ ጸዊዑ።
ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ፡ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ኣፈጻጽማኡ ግና ከምቲ ቅድም ዝተሓስቦ ብታህዋኽ ዘይኮነ፡ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝትግበር ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ 6 ገጻት ዝሓዘ ዝርዝር ስምምዕ ኣብ ቁጽሪ 2.1/D፡ “ምፍታሕ ከቢድቲ ብረት ዝትግበር፡ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መከላኸሊ ሓይሊ፡ ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኩሎም ዕጡቓትን ምስ ወጹ ዝትግበር እዩ” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ።
ንኣገባብን ኣተገባብራን ናይቲ ስምምዕ እትከታተል፡ ካብ ክልቲኡ ወገናትን ካብ መንጐኛታትን ዝኣባላታ ናይ ሓባር ኮሚተ ከውጽኡ ከም እተሰማምዑ ኣብቲ ዝተኸተመ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።
ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብመንጽር ምልዋጥ፡ ናይ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ስግኣት ምዃን፡ ኣብ ፖለቲካ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘውሕስ ለውጢ ዘይምትእትታው፡ ንሃይማኖታዊ ነጻነት ወሲኽካ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዘይምኽባርን ቁጠባውን ልምዓታውን ጽገናታት ዘይምትእትታውን ከም ዝምስረት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብ7 ሕዳር 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ካብ ግዜ ናጽነት ዝጅምር ነቲ ነዊሕ ድሕረባይታ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ዝዳህሰሰ መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ዋላኳ እቲ ዝተሓልፈ መስርሕ ብዙሕ ብደሆታት ዝነበሮ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኣሚሪካ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ዝምድና ኣብ ባህላዊ መዳይ ከይተረፈ፡ ዝህልዎ ዝምድና ከም ዝቕጽሎ ኣብሪሁ። ምስ ኤርትራ ብመንጽርቲ መንግስቲ ከቕርቦ ዝጸንሐ ብሓፈሻ ናይ ምትሕግጋዝ ጠለባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ኣብ መንጎ ክልቴን ዝምድና ከምዘየለ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
በቲ መግለጺ መሰረት፡ መግስቲ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ ናይታ ሃገር ጽኑዕ ምቁጽጻር እዩ ዝገብር። ንንግዲ ኣብ ዝምልከት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ዝምድና ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ንሱ እውን ኣብ ዘይምትእምማን ዝተሰረተ እዩ። ኤርትራ ኣባል ናይ ሓባር ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃን እያ። እዚ ኣካልዚ ድማ ምስ ኣሜሪካ ስምምዕ ዘለዎ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብሕታዊ ገዛኢ ሰልፊ ህግዲፍ፡ በዚ ገዛኢ ሰልፊ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝጽለዉ ኮባንያታት ሕድርን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነት እዚ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዘጋርዲያን/THE GAURDIAN ዝተባህለ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ጋዜጣ ብ10 ሕዳር 2022 ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናይ ትግራይ ሓይሊ ዕጥቁ ክፈትሕኳ ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ናይቲ ስምምዕ ኣካላት ዘይኮኑ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራንከ መዓስ እዮም ካብ ትግራይ ዝወጹ? ዝብል ኣተሓሳሳቢ ሕቶ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኣብ ትግራይ ክዋጋእ ከም ዝጸንሐን እቲ ዝኸፈአ ግፍዕታት ዝፈጸሞ ንሱ እዩ ተባሂሉ ከም ዝሕመን ድማ ዘጋርዲያን ኣቃሊዑ።
ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ተበታቲኖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት ጐንደር ዝርከብ ኣለምዋጭን ኣብ ዓፋር ናብ ዘሎ በርሓለን መደበራት ይተኣካኸቡ ከምዘለዉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ከይተዓጽወ ዝጸንሐ ኣብ ከባቢቲ ጽዕጹዕ ውግኣት ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽን ማይዓይንን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ይውሰዱ ኣለዉ። እዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብሓባር ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ብመደበር ዓዲ ሓርሽ ከም ዝጀመረን ናብ ማይ ዓይኒ ከም ዝቕጽልን ተፈሊጡ ኣሎ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ክሳብ ሕጂ ካብ ዓዲ ሓርሽ 6 ሺሕ ዝኾኑ ናብቲ ሓድሽ መደበር ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብቲ ውግእ ዝጀመረሉ ግዜ ኣብ ክልቲኡ መደበራት ክሳብ 100 ሺሕ ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፡ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ እቲ ውግእ ዘስዓቦም ምኽንያታት ዝበዝሑ ተበቲኖም ውሑዳት እዮም ተሪፎም። ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኣለምዋጭ ዝሰጋገሩ ዘለዉ ከኣ መብዛሕቶም ብሕማምን ብዝተፈላለዩ ጸገማትን ካብቲ መደበራት ክወጹ ዘይከኣሉ እዮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከም ዝተገልጸ መደበር ኣለምዋጭ ብኹሉ መለክዒ ንስደተኛታት ዘይጥዕም ቦታ ምዃኑ በቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግለጽ ዝጸንሐ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንክቲ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ዝተለሓመ ውግእ፡ ካብቲ ነባር መደበር በርሓለ ተበታቲኖም፡ ገሊኦም ናብ ሰመራ፡ ገሊኦም ድማ ናብ ሰርዶን ኣፍዴራን ተበቲኖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር በርሓለ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ቅድሚ እቲ ውግእ ኣብ በርሓለ ልዕሊ 34 ሺሕ ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፡ ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ስለ ዝተመሓየሸ ዝምለሱ ዘለዉ ግና ከባቢ 26 ሺሕ ምዃኖም ተፈሊጡ። እዚ መደብ እዚ እውን ብምትሕብባር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝዕመም ዘሎ መደብ እዩ።
ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማርቲን ፕላውት፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ናይ ዝተረስዑ 100 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጻኢ ዕድል” ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሎሚ ካብቶም 100 ሺሕ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት፡ 10 ሺሕ ጥራይ ከም ዝተረፉ ይጠቅስ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ 14, 603 ከም ዝበጽሕ እውን እቲ ተመራማሪ በቲ ጽሑፉ ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ 3 ወርሒ ንካለኣይ ግዜና ናብ ኤርትራ ክገሹ እዮም
Wednesday, 09 November 2022 21:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ሸበለ መዲያ/ Shabelle Media ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ካብ መቓድሾ ኣፍሊጣ። እቲ ካብ ቪላ-ሶማሊያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቶም ፕረሲደንት ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ጠቒሱ ናይ መገሸኦም ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ግና ኣይሃበን።
እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰፊሕ ዝርዝርኳ እንተዘይኣተወ፡ ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብዛዕባቶም ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ከይዶም ኤርትራ ዘለዉ ናይ ሶማሊያ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኽእልሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝዛረቡ ጠቒሱ። እቲ ኣብ መጻኢ ሰሙን ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ምምላስ ናይዞም ኣስታት 5ሺሕ መንእሰያት፡ ዝገብርዎ ዝርርብ ንመጻኢ ዝምድና ናይተን ሃገራት ዝትንክፍ ከም ዝኸውን እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
መራሒ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት 2022 ብፓርላማ ሃገሮም ፕረሲደንት ኮይኖም ምስተሰየሙ፡ ቀልጢፎም ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ወለዲ ናይቶም ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ከይዶም ካብ 2019 ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሃለዋቶም ክፍለጥን ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኣብ ልዕሊ እቶም ፕረሲደንት ተደጋጋሚ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ኣለዉ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ድማ፡ እዞም ሶማላውያን ካብ ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ነይሮም ዝብል ግምት ኣለዎም።