ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም ተቐቲሎም
2024-12-21 20:17:31 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 313 timesህይወት ኣድሕን ሓገዝ ዝወሃበሉ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ መደበር ትካል መግቢ ዓለም
ናይ መደበር ሓላፊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም (WFP)፡ ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉ ናይል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ኣብ መደበሮም ብ19 ታሕሳስ 2024 ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ንምንጭታት መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ሓቢራ።
ብመሰረት ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ያቡስ ኣብ ዝበሃል፡ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዘሎ ናይቲ ትካል መደበር ብዝተኻየደ ናይ ለይታዊ መጥቃዕቲ እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ። ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ሲንዲ ካይን ብወገኑ እቲ ቅትለት ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምቅለዖም ከም ዘሕዝኖ ምሕባሩ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ተቒሳ።
ናይቲ ሚኒስትሪ መግለጺ ሞት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቱ ወተሃደራዊ ህላወን ምንቅስቓስን ከም ዘየለ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ንይቲ ቅትለት ተሓታቲ መን ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ምጽራይ የካየዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ወገን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ እቲ ዜና ቢቢሲ ኣመልኪቱ።