EPDP News

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ኣቕኒዖም ተሳፊሮምዋ ዝነበሩ ጀልባ ስለ ዝጠሓለት ብውሕዱ 35 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ብ16 ማዝያ 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት {International Organization for Migration (IOM)} እታ ስደተኛታት ተሳፊረሙዋ ዝነበሩ ጀልባ ኣብ ምዕራባዊ ሊቢያ ጥቓ ከተማ ሳብራታ ከም ዝጠሓለት እዩ ሓቢሩ። ከተማ ሳብራታ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብባሕሪ መዲተራንያን ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ሓደገኛ ጉዕዞ ንምጅማር  ዝእከቡላ  እያ።

እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣተሓሒዙ፡ ናይ ሽዱሽተ ስደተኛታት ኣስከሬን ኣብ ባሕሪ ክርከብ እንከሎ፡ ናይቶም 29 ኣሰር ግና ከምዘይተረኽበን ሞይቶም ዝብል ግምት ከምዘሎን ብተወሳኺ ሓቢሩ። እታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ ስለምንታይ ከም ዝጠሓለት ብኣጋኡ ዝተገልጸ ምኽንያት ከም ዘይነበረ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ሬድዮ ኤረና ብወገና፡ ቁጽሪ ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝሃቅኑ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከም ዘሎ ኣፍሊጣ። እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ፡ ብሓፈሻ  ዓመተ 2022  ካብ እትኣቱ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንከለዉ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብውሑዱ 417 ሰባት ከኣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ናይ ዝምልከቶም ትካላት ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣመልኪታ።

 

መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣብኣ ካብ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣሸሓት ማይላት ርሒቓ ናብ እትርከብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ  ከተሰጋግር መደብ ከም ዘውጸአት ኣሶሼት ፕረስ (ASSOCIATED PRESS) ብ14 ማዝያ 2022 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ። እቲ ስደተኛታት  ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስግጋር መደብ ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ምእታው ንምዕጋት ተባሂሉ ከም ዝተተለመ እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።

ናይ ብሪታንያ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጉዳይ ስደተኛታት ዘገድሶም ጉጅለታትን ብወገኖም እቲ መደብ ምስግጋር፡ ዘይሰብኣዊ፡ ዘይተግባራውን ገንዘብ ዘባኽንን እዩ ብዝብል ኮኒነሞ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቲ ተግባር ሰብኣዊ ሻቕሎት ዘሕድር እዩ ኢልዎ። እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብመካይን ወይ ብጃላቡ ተሓቢኦም ናብ ዝኣተዉ ዘተኩር ከም ዝኸውን እውን ተመልኪቱ።

ስድተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪታንያ ንምእታው፡ ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ ሰሜናዊ ፈረንሳ ምዃና እቲ ዜና ጠቒሱ። በዚ መሰረት ብስንኪ ኮቪድ-19 ብ2020 ዕጽዋ ካብ ዝካየድ ንደሓር  8 ሺሕን 500 ዘይሕጋውያን ከም ዝኣተዉን ካንዚኣቶም እቶም 27 ዝሓለፈ ሕዳር 2021 ዝኣተዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ።

ብ14 ማዝያ 2022 ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪታንያ ቦሪስ ጆንሶን ብዛዕባቲ መደብ መግለጺ እናሃቡ እንከለዉ፡  ህጻናት ዝርከብዎም፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተብዕትዮን ብጀላቡ  ዶቨር ናብ  ዝተባህለ ወደብ ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ኣብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ንወተሃደራትን ሰራሕተኛታት ሓለዋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡  “ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጊ መንግዲ ዝኣተወ ናብ ሩዋንዳ ክሰጋገር እዩ”፡ ከም ዝበሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።

መንግስቲ ሩዋንዳ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከም መጀመሪ ን5 ዓመታት ከም ዝጸንሕ ገሊጹ፡ ብሪታንያ 120 ሚልዮን ፓውንድ ( 158 ሚልዮን ዶላር) ንሩዋንዳ  ከም ዝኸፈለ ብምጥቃስ እዚ ገንዘብ ኣብ ምህናጽ ኣባይትን ነቶም ስደተኛታት ንምርግጋእን ከም ዝውዕል ተሓቢሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ቪንሰት ቢሩታ ብወገኖም በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ስደተኛታት ሕሉዋት፡ ዝተኽበብሩን መጻኢኦም ንክመሓይሹ ዝተባብዑን ምዃኑ ሓቢሮም። ስደተኛታት ድሌቶም እንተኮይኑ ብቀዋምነት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዘፍቅድ ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ገሊጾም።

ኣብ ርእሲዚ  ሩዋንዳ ደቂ ኮንጎ፡ ሊቢያን ፓኪስታንን ወሲኽካ ናይ 130 ሺሕ ስደተኛታት  መዕቆቢት ኮይና ከም ዘላ እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ጠቒሶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪታንያ፡ ነቲ እቲ መደብ “ሓልዮትን ተገዳስነት ዝጐደሎ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ነጺገምዎ። ዘይሩዘይሩ ሕጋዊ ብደሆታት ከም ዘኸትል ግና ኣይከሓዱን።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ ዝዝከር እዩ። ኣብዞም ካብ ብሪታንያ ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብዛዕባ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ግና ዝተጠቕሰ የለን።

ፍሉይ ልኡኽ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡  ዳቪድ ሳተርፊልድ ምክትሎም ፓይቶን ክኖፕፍ ኣኸቲሎም  ብ13 ማዝያ 2022  ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተጓዕዙ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY)  እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ መዘቶም ከም ዝወርዱ ኣፍሊጣ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ወከልቲ ሰብኣዊ ትካላትን  ዲፕሎማትን ከም ዝራኸቡ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዕላማ መገሸኦም ነቲ ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት፡  ህውከት ጠጠው ንምባል፡ ቀጻሊ ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንጽጉማት ንምቕራብ፡ ግሉጽ ምጽራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰትን ጥሕሰትን ንምትግባርን  እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብዓብይኡ ብዘተ ንክፍታሕን  ክትገብሮ ዝጸንሐት ጻዕሪ ምቕጻል ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY)  ብዛዕባቲ ጉዳይ ብቐረባ ይፈልጡ ዝበለቶም ብምጥቃስ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትሕቲ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ብምግልጋልን ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዘይረገኣሉን  ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ መዝነቶም ከም ዝወርዱ ሓቢራ። ናይዞም ልኡኽ ካብ መዝነት ምውራድ ኣብ ትጽቢት ከምዘይነበረን ምክትሎም ብግዝያውነት ከም ዝትክእዎምን ድማ ጠቒሳ።

ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናይ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ ምቅይያር፡ ምምሕዳር ፕረሲደንት ባይደን ናይቲ ዞባ ጸገማት ንምፍታ ብዛዕባ ዘለዎ ቅሩብነት ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ተዋሳእቲ ወገናት ዝዓለመ ሕቶታት ክለዓል ከም ዝጸንሐን፡ ሱዳን ብወገና ኣብ ዝተመሳቐለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ከም እትርከብ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መርበብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት፡ ”ኣረኣእያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ኣንጸላልዩ ዘሎ ምዕባለታት” ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ክህብ ብዝገብረሉ ዕድመ መሰረት ብ8 ሚያዝያ 2022 ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ሃለዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መርገጻት ሰዲህኤ ኣብቲ ምዕባለታትን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ንዝብሉ ዛዕባታት ቆላሕታ ሂቡ።

ብጻይ ተስፋይ ኣብቲ ዝርዝር መግለጺኡ፡ ከም መበገሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበሃል ከባብን ኣብዚ ከባቢ ዝሕቆፋ ሃገራትን ኣላልዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክሳዳዊ ኣገዳስነት ናይዚ ከባቢ ዳህሲሱ በብግዜኡ ክረኣዩ ዝጸንሑ ምዕባለታትን ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሱናት ሃገራት ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዘርዚሩ።  ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ እትርከብ ሃገር ብምዃና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ቆላሕታ ክትስሕብ ምጽነሓን ብሰንኩ ክወርዳ ዝጸንሐ ተጽዕኖታትን ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘሰክፍ ውግእ እሞ ኤርትራ እውን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ምምሕዳር ህግደፍ ኣካሉ ብምህላዋ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ዘለዎ ደረጃን ኣውሪድዎ ዘሎ ማህሰይትን ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሱዳን ዝተጀመረ ለውጢ፡ ተነቢርሉ ዝነበረ ተስፋን ሎሚ ዘለዎ ደርጃ ኣብሪሁ። ጉዳይ የመን ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ዕንወት ኩነታት እውን ጠቒሱ። እዘን ሃገራት ጐረባብትና ጥራይ ዘይኮና ኣብ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ምስ ዝነበረን ታሪኻዊ ግደ ጽልወአን ኣብ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ።

ሰዲህኤ ነዚ ሎሚ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኩይኑ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩን ድሕሪኡን ክከታተሎን መርገጻት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐን ኣብሪሁ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ቅድሚ ውግእ ብሰላማዊ መንገድን ዘተን ክፍታሕ ተስፋ ከም ዝነበሮ፡ ውግእ ምስ ተጀመረ ከኣ ኣብ ርእሲቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወስደ ቅልጡፍ መርገጺ፡  ካብ 3ይ ጉባአኡ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ጽፍሕታት ኣኼባታት ብምክያድ መርገጻት ክሕዘሉ ምጽንሑ ጠቒሱ መርገጻቱ ከኣ፡ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ዝኹንን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ነዚ ኢድ ኣእታውነት ንምግታእ ተጽዕነኦም ከሕይሉ ዝጽውዕ፡ ውግእ ጠጠው ኢሉ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝዕድም፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ከባብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓለዋ ክገብርሎም ዘዘኻኽር፡……..ወዘተ ምንባሩ ዘርዚሩ። እዚ መርገጻት እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝድግፍዎን ንምትግብራሩ ዝጽዕርሉን ዘለዉን ምዃኑ ከኣ ኣዘኻኺሩ። ብእምንቶ ሰዲህኤ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ካለኦት ሃገራት ዝግበር ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘውሕስ፡ ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድን ንናጻ ውሳነና ዘይጻባእን ክኸውን ከም ዝግበኦ ጠቒሱ።

ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብዚ ህልዊ ምዕባለ ኣድማዒ ጽልዋ ክህልዎም፡ ከረጋግጽዎ ካብ ዘለዎም ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ከም ዘድልዮምን ናብኡ ንምብጻሕ ሰዲህኤ ከም ወትሩ ግደኡ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናብ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ ጠቒሱ ድማ ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ምህላዉ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኩሎም ወገናት ነዚ ንምዕዋት ዝሕተት ዋጋ ንክኸፍሉ ኣዘኻኺሩ።

ድሕሪዚ ኣዝዩ ሰፊሕ መብርሂ፡ ብተሳተፍቲ ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ሕቶታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ውግእ እንታይ ኣፍልጦ ኣለኩም፡ እቲ ውግእ እንተተኻይዱኸ ናበይ ገጹ ክምዕብል ይኽእል?፡ ኣብዚ እዋንዚ ንትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዲኹም ትርእይዋ?፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብኣገዳስነት ምምስራት ጽላል ዝሰማምዑ ክነሶም፡ ስለምንታይ ኣብ ምትግባሩ ይድንጉዩ?፡ እቲ ዝምስረት ሰፊሕ ጽላል ነቲ ዘይተወደበ ግና ኣብ ቃልሲ ዘሎ ኤርትራዊ ኣካላት ብኸመይ ከመሓድሮ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ብጻይ ተስፋይ ነዞም ሕቶታት ግዜ ወሲዱን ብተመኩሮታት ኣሰንዩን ሰፊሕ መልሲ ሂብሎም።

ኣብ መወዳእታ ብጻይ ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ንዝወደቡ ኣካላትን በቲ መጸዋዕታ መሰረት ንዝተሳተፉን ሃናጻ ሓሳባት ንዘቕረቡን ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣቕሪቡ። እቶም ዝዓደሙ ኣመሓደርቲ ናይታ መርበብ እውን ስለቲ መጸዋዕታኦም ኣኽቢሩ ምምቕላሉን መርገጽቲ ዝመርሖ ሰልፊ ብግቡእ ምቕራቡን ንኣቦመንበር ተስፋይ ኣመስጊነምዎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ7 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባልነት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ካብ ዝመርሕ ዓለም ለኻዊ ትካል ከም ዘንጠልጠለ ኣሶሼት ፕረስ (AP) ኣፍሊጡ። ሩሲያ ኣባልነታ ዝተንጠልጠለ ንዩክረይ ኣብ ዝወረትሉ ወተሃደራታ፡ ሕቡራት ሃገራትን ዩክረይንን “ገበን ውግእ” ዝሰየምዎ በደላት ስለ ዝፈጸሙ እዩ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ብጽምጺ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን 5ተ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ እዚ ናይ መጀመርያ ምናልባት ከኣ ሳሕቲ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣንበሳድር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊልድ ነቲ ተረኽቦ “ታሪኻዊ” ኢለንኦ። ኣተሓሒዘን ከኣ በዚ ውሳነ ኣቢልና ስቓይ ግዳያት ሸለል ተባሂሉ ከም ዘይሕለፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ኣለና፡ ሩሲያ ከኣ ተሓታቲት ክትከውን ይግበኣ  ኢለን። እዘን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ሩሲያ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣባልነታ ክንጥልጠል ወፍሪ ዘካየዳ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ዩክረይን ኬቭ ቡቻ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብወተሃደራት ዝተቐትሉ ሲቪል ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሑ ምስ ተራእየ ምዃኑ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዩክረናውያን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ እገዳታት ንክውሰን ከም ዘለዓዓለ  እውን ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን በወገኖም፡ እቲ ውሳነ መራሒ ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን  ክሳብ ክንደይ ሃገሮም ብሰንኮም  ተነጺላ ከምዘላ ከም ዘርኢ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ሩሲያ ተሓታቲት ንምግባርን ብቁጠባ ንምንጻላን ዘኽእል ሓበሬታ ንምእካብ ምስ ኩለን ሃገራት ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም። ክሳብ ሕጂ ደድሕሪ ሊቢያ ኣባልነታ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ትንጥልጠል ዘላ ሩሲያ 2ይቲ ሃገር እያ።

እቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል  ዝከታተል፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ዘጻርይን ከም ኣድላይነቱ ብኮሚሽናት ዝሰርሕን  በብግዜኡ ኣብተን 193 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ገምጊሙ መድረኻዊ ጸብጻባት ዘቕርብን  ኣካል ባይቶ ሕቡራት ሃገራት  እዩ።

እዚ ንኣባልነት ሩሲያ ካብቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ዘንጠልጠለ ውሳነ፡ ብ93 ደገፍ፡ 24 ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ካብተን ንሩሲያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃሃገረን ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምሕባእ ዝተቓወማ 24 ሃገራት ሓንቲ እያ። ሩሲያ ኣብ ባይቶን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ደጋፊት ስርዓት ህግደፍ ኮይና ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ።

ሽዱሽተ ኣሜሪካውያን ናይ ቀደም  ኣምበሳድራትን ኣፈጸምቲ ጉዳያትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ትግራይ ንምፍታሕ ብህጹጽ ዘተ ክካየድን ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ፡ እቲ ንሰብኣዊ ረዲአት በቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ተኹሲ ጠጠው ምባል እሞ ብትግራይ’ውን ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጉሳት ምዃኖም ከም ዝገለጹ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማቲን ፕላውት ብ6 ማዝያ 2020 ገሊጹ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ኣተሓሒዞም እቲ ውግእ ብዘኸተሎ፡ ብኹሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዘተሓሳስቦም ጠቒሶም።

ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ብሰንክቲ ውግእ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጽልእን ዝተኸተሎ ሳዕቤናትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ሰብኣዊ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ናብ ምትግባርን  ኣገደስቲ ዝበሃሉ ነጥብታት ኣጽኒዖም ናብ ቀጻሊ ዘተ ንክእትዉን ጸዊዖም። እንተ ደኣ እዚ ዕድላትዚ ሓሊፉ እሞ እቲ ውግእ ቀጺሉ ንዝኾነ ኣካል ከምዘይጠቅምን ውጽኢቱ ዝያዳ ሞት፡ ዕንወትን ስቓይን  ከም ዝኸውንን  እውን ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እዞም ነባራት ኣንበሳድራትን ጉዳይ ኣፈጸምትን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እዚ መጸዋዕታ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት እንተላይ ሰራዊት  ኤርትራ ብህጹጽ ወጺኦም ነናብ ቦታኦም ክኸዱ ከም ዝምልከት ገሊጾም። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሓትትኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራ፡ ኦሮሞን በንሻንጉልን ዘሎ ኩነታት እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ሓገዝን ቆላሕታን ዘድልዮ ምዃኑ ተጠቒሶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ  ጸሎትናን ተስፋናን ኢትዮጵያ ናብ ሰላም፡ ሓድነትን ዘተኣማምን ዲሞክራስን እትገብሮ ጉዕዞ ቀጻሊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ  ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ቡዙሓት ዝሞቱሉን ሚልዮናት ዝተመዛበልሉን ውግእ ምዕራብ ትግራይ ንክጋደድ፡  ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ  ዓሌታዊ ወፈራ ከም ዘካየዱ ብ6 ሚያዝያ 2022 ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር ጸብጻብ ምኽሳሰን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁይማንራትዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጸአኦ ኣብዚ ጸብጻብ ናይ ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍት፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጥረ ወግእ ናብ ውግእ ገበን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከም ዘዕረግዎ ሓቢረን። እዘን ሰብኣዊ ትካላት ንሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ተግባር ብምስታፉ ከም ዝኸሰስኦ ኣብቲ ጸብጻበን ኣስፊረን። ዳይረክተር ሁማንራይትስዎች ከነዝ ሮዝ፡  ላዕለዎት ሓለፍትን ሓይልታት ጸጥታን ኣምሓራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣንጻር ተጋሩ በቐጻሊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስጉምትታት ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብካልእ ወገናት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ከኣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰባት ተቐቲሎም ኣስከሬኖም ናብ ሩባ ተከዘ ይድርበ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ኣቶ ምሉነህ ግዛቸው ዝተባህሉ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግዝቶም ዝቐረበ ክሲ ነጺገምዎ።

ወሃብ ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣዘዝቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ምዕራብ ትግራይን ግና ብዛዕባቲ ክሲ መልሲ ኣይሃቡን።  እተን ሰብኣዊ ትካላት ቀንዲ ዘተኮራሉ ጉዳይኳ እንተዘይነበረ፡ ሓይልታት ትግራይ መግቢ ናብ ህዝቢ ከይቀርብ ዕቅፋት ይፈጥሩ ከም ዝበላ’ውን ኣብ ጸብጻበን ጠቒሰን።

ናይዘን ሰብኣዊ ትካላት ጸብጻብ ናይ 427 ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ሰባት ቃለ መጠይቕ ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ  ካብ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ዝዓመቖ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምዕራብ ትግራይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመደን መሳርሕቶም ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን ዘቃለዐ ዝኸፈአ ጥሕሰት መሰላት ዝተፈጸመሉ ከባቢ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዘን ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ መሰረታዊ  መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምክልኻል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃብ ሰላም ክሰፍር ይግበኦ ክሳብ ምባል በጺሐን።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 3ተ ዝኣባላቱ ኩነታት ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝከታተል ምርማሪ ኣካል ከም ዘቖመ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ መርማሪ ኣካል ምቛም ኣብ ልዕሊ ምቅዋሙ በጀት ከይስለዓሉ ናብ ሕቡራት ሃገራት ስምዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ንምውሳን  ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብብዝሒ ድምጺ እቲ መርማሪ ኣካል በጀት ተሰሊዕሉ ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ። ካብተን ነዚ ውሳነ ዝተቓወማ 36 ሃገራት ኤርትራ ምስ ገለ ካብተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ዝተፈልጣ ሃገራት ትርከበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኤርትራውያ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ጀሚሮም ኣብ ዘለዉሉ ሓደሽ መደበር  ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኢሪሳት (ERISAT) ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ዝተወሰኑ ዕጡቓት ብ2 ማዝያ 2022 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት-ጐንደር ዝርከብ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣትዮም ብዝኸፈትዎ ተኹሲ 8 ስደተኛታት ከም ዘቑሰሉን ካብቶም ግዳያት ክልተ ኣዝዮም ህሱያት ምዃኖምን እቲ ዜና ገሊጹ።

ነቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝተባህሉ ሓደጋ ዘውረዱ ዕጡቓት ሒዝካ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ’ኳ እንተሎ ሽዑንሹ ከምዘይተታሕዙ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታላት ጐንደርን ደባርቕን ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ።

ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣጐደ ውግእ ቅድም መደበር ስደተኛታት ሽመልባን ሕንጻጽን ከም ዝፈረሳን  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝቐጸሉን ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተኾነ እዘን ክልተ መደበራ እውን ኣብቲ  ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዝርከባ ምዃነን ዝፍለጥ እዩ። መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከኣ ከም መተካእታ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2021 ዝተኸፍተትኳ እንተኾነት ውሕስቲ ዘይምዃና  እዚ ዝተጠቕሰ ናይ 2 ማዝያ 2022 ሓደጋ መረጋገጺ እዩ።

ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን “እንዳ ARRA” ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ፡ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦት ግብረሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር ነዛ ሓዳስ መደበር ከፊተን፡ ብ22 ለካቲት 2022 ኣስታት 1,400 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ክዕቆባ ከም ዝጀመራ እዚ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 2022፣ ኣብ መደበር ስደተኛታት ባራሕሌ  ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ከም እተቐትሉን እቶም ዝትረፉ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ናብ ሰመራን ካልእ ከባብታት ዓፋር ከም ዝኸዱን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 24 መደበር ስደተኛታት ከም ዘለዋን ኣብኣተን 823 ሺሕ ስደተኛታት ተዓቒቦም ከም ዘለዉን ይንገር።  ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 70 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝህልዉ ይግመት። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን እዮም። 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት ምጅማር ጾም ሮሞዳን፡ ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና: ንመላእ ህዝብና ብሓፈሻን፡ሮሞዳን ከሪምእንቋዕ ኣብጽሓና ብምባል ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

ኣብ ሃገርናን መላእ ዓለምን ሕማምን ዕንወትን ተቐንጢጡ፡ ጥዕና፣ ሰላምን ሓድነትን ዝዕወቱሉ ሮሞዳን ይግበረልና!

ክንዲ/ ሰዲህኤ

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር

1 ሚያዝያ 2022

ኤርትራ ድሕሪ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ካብ ኢትዮጵያ ምምላሱ፡ ኣብ ቦታኡ ኣፈጻሚ ጉዳያት ከም ዝመደበት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ  ኣፈጻሚ ጉዳያት ኮይኑ ዝተመደበ ኣቶ ቢንያም በርሀ፡ ናይ ውክልና ደብዳበኡ ብ30 መጋቢት 2022 ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንሓላፊ ፖሮተኮል ዳይረተር ኣቶ ደመቀ ኣጥናፉ ኣረኪቡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ቢንያም በርሀ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣብፍሪቃ ሕቡራት ሃገራትን እውን ክውክል እዩ። ቢንያው ንሓያሎ ዓመታት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኣካላት ከም ዝገልጽዎ፡ ካብ ኣምበሳደር ናብ ደረጃ ኣፈጻሚ ጉዳያት ምውራድ፡ ኣብ መንጎ እተን ልኡኻት ዝለዋወጣ ሃገራት ዝምድና ኣብ ደሓን ደረጃ ዘይምህላዉ ዘርኢ ምልክት እዩ። ናይ ኤርትራ ካብ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ናብ ኣፈጻሚ ጉዳያት ቢንያም በርሀ ምውራድ እውን ብመንጽርዚ ይመዝንዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ከኣ ነዚ ኤርትራ ወሲዳቶ ዘላ ኣመዳድባ ምስቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ኣመዳድባ የዛምድዎ።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን የሐርፊፎም ካብ ዝበሃሉ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ውግእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ህግደፍ ውግእ ንቐጽልን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ኣቢልና ናብ ልዝብ ክንምለስ ኢና ምባልን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ኣብ ውግእ ዩኩረይን-ሩሲያ ክልቲኦም ወገናት ተመሳሳሊ መርገጽ ክሕዙ ዘይምኽኣሎም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።