EPDP News

ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኣብ 2021 ብዝነበረ ጸብጻብ መሰረት ልዕሊ 580 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕበን ወጻኢ ካብ  ሃገሮም ከም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋዜጠኛን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውትን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ማርቲን ፕላውት ኣብቲ መጽናዕቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2022 ብዝተገብረ ዳህሳስ፡ እዞም መብዛሕተኦም  ግዳይ ስደትን ምሕታት ዑቕባን ክኾኑ ዝተገደዱ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ዝተኸተሎ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣስፊሩ።

 ንምኽንያታት ስደት ብዝምልከት ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ክገልጽ እንከሎ፡ ገደብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን፡ ንነዊሕ ግዜ ብዘይፍርዲ ማእሰርትን ብኩራት ናጽነት እምነትን ካብቶም ቀንድታት እዮም ኢሉ ኣስፊርዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፡ ናይ ርኢቶኻ ምግላጽን ምሕሳብን ምቁጽጻር ከም ዘትርር ብምጥቃስ፡ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህድኣት ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

እቲ መጽናዕቲ ንፖለቲካውን ዲሞክራስያውን ሃለዋት ኤርትራ ክጠቅስ እንከሎ፡ ብዘይተመርጸ ውልቀሰብ  እትምራሕ፡ ሓጋጊ ኣካል፡ ናጻ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ናጻ መዲያን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ዘየብላ ሃገር ኢሉዋ። ምስዚ ብዝዛመድ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሕጂ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዓጽዩ ጋዜጠኛታተን ምእሳሩ ኣዘኻኺሩ፡ ኤርትራ ናጻ ካብ እትኸውን ምርጫ ዘይተኻየደላ ሃገር ክብል ጠቒሱዋ።

ህልዊ ምምሕዳር ኤርትራ፡ እቲ ዝተጠቕሰ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ከመሓይሽ ይትረፍ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ምእታዉ፡ ኣብ ሰራዊት ዘጋጠሞ ጉድለት ንምምላእ ቀጻሊ ግፋ  የካይድ ከምዘሎ መስኪሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን ሰፊሕ ማእሰርትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምፍጻሙ ይቕጽል ምህላዉ ኣቃሊዑ።

ማርቲን ፕላውት ኣብ መጽናዕቱ፡ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዘኣ እንተ ኣመሓየሸት” ብዝብል፡  ብ2021 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኮይና’ኳ እንተተመዘዘት፡ ብግብሪ ግና ጨቋኒ ኣተሓሕዛኣ ካብ ምትራር ሓሊፉ ለውጢ ከምዘየምጸአት ንኤርትራ ብዝምልከት ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ ኢሉ።

Mahfuz

 ተጋዳላይ ማሕፉዝ ኣደም ኣሕመድ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ርያድ፡ ብዝሕደሮ ሕማም ብዓርቢ ዕለት 13 ጥሪ 2023  ዓሪፉ። ብዕለት 14 ጥሪ 2023  ኣብ ከተማ ርያድ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስዉእ ማሕፉዝ ብ1958 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኢዩ ተወሊዱ። ኣብ ብሪገድ 44 ንነዊሕ እዋን ተቓሊሱ።

ሰዲህኤ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

14 ጥሪ 2023

ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣዲስ ኣበባ)፡ ሕጋዊ ፓስፖርት ክወሃቦም ንዝሓቱ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ምስምሳት ፈጢሮም ብምንጻግ፡ ናብ ውልቃዊ ጅባኦም ዝኣቱ ገንዘብ እናኽፈሉ ክንህበኩም ከም ዝብልዎምን እቲ ዝህብዎም ፓስፖርት ከኣ ዘይሕጋዊ (forged) ምዃኑን ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም።  

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም  ንሕክምናን ንዝተፈላለዩ ጉዳያትን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንክገሹ ካብቲ ኤምባሲ ፓስፖርት ዝሓቱ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ኤምባሲ መዝጊቡን ገንዘብ ኣኽፊሉን “ኣብ ዘለኹምዎ ኮይንኩም ብስልኪ ሕተቱ”  ካብ ምባል ሓሊፉ ዝህቦ  ተግባራዊ ምላሽ የለን። ኣማሪሮምን ተጨኒቖም ንዝሓቱ ከኣ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ርእሲቲ ናብቲ ኤምባሲ ዝኣቱ ዓቐን ገንዘብ፡ ክሳብ 400 ዶላር ብላዕ (ጉቦ) ከም ዝሓትዎም ተፈሊጡ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ዝያዳ 400 ዶላር ብላዕ ምስ ወሰዱ ዝህብዎ ፓስፖርት ዘይሕጋዊ  (forged) ምዃኑ እዩ።

ካብቲ ሕጋዊ ፓስፖርት ንምሃብ ዘቕርብዎ ምኽንያት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓተትካዮ ፓስፖርት ንምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ወኪልካ ኣድራሻ ይሓቱ እሞ ዝመላእካዮ ቀጥዒ ንውሳነ  ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ስለ ዝኾነ፡  እቲ ወኪልካ እዩ ኣብ ኣስመራ ዝከታተለልካ ዝብል መልሲ ይህብዎ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤተሰብ ናይቲ ሓታቲ ፓስፖርት፡ ኣስመራ ናብ ዘሎ ኤሚግረሽን ከይዱ ብዛዕባ ፓስፖርት ናይቲ ዘመዱ ክሓትት እንከሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመልኦ ቀጥዒ (ፎረም)  ኣይበጸሐናን ብዝብል ክሳብ ረብሪቡ ዝገድፎ የመላልስዎ።

ንገለ ድማ ንሕክምናን ካልእ ጉዳያት ንወጻኢ ክኸዱ ፓስፖርት እናሓተቱ፡ ናብ ኤርትራ ዘምልስ ወረቐት (ሊሰፓሰ) ክንህበኩም ብዝብል ክጥብርዎም ከም ዝፍትኑ፡ ካብቶም ብሰንክዚ ብልሽዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ኤምባሲ ዝተኸላበቱ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ከምተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ኤምባሲታት ናይታ ሃገር፡  ቀንዲ ስርሑ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ጸሊም ዕዳጋ ሸርፊ ገንዘብ ምውፋር ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት በብግዜኡ ዘቃልዕዎ እዩ።

ስእሊ: ኣዲስ ስታንዳርድ

ኣብ ዑደት ዘለዉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኲን ጋንግን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን ብ11 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቻይና ዝተሃንጸ ማእከል ምቆጻጸሪ ሕማማት ኣፍሪቃ መሪቖም ከፊቶም። ቻይና ነቲ ማእከል ዝሃነጸቶ ኣብቲ ብ2018 ዝተኻየደ 7ይ  ርክብ ሚኒስተራት ኣፍሪቃን ቻይናን ንክትሕግዝ ብዝኣተወቶ ቃል እዩ። እቲ ናይ ቻይና ልግሲ ኣብቲ እዋን ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተናኢዱ እዩ።

እዚ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣዲስ ኣበባ ብ80 ሚሊዮን ዶላር 90 ሺሕ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መሬት  ዝተሃንጸ ዘመናዊ  ማእከል መቆጻጸሪ ሕማማት፡ ክፍሊ ሓበሬታ፡ ማእክል ህጹጽ መጥባሕቲ፡  መመርመሪ፡  መዕቀቢ ንብረት፡ ኣብያተ-ጽሕፈት፡  መግለጺ ዝወሃበሉ ክፍልታትን መሰልጠኒ ቦታን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣድላዪ ዘመናዊ መሳርሒ ዝተገጠመሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ሃንጻ፡ ሓደ ካብቲ ግቡእ መሳርሒ ዘለዎ ዘመናዊ፡ ማእከላት ተኸታታሊ መቆጻጸርን መከላኸልን  ሕማማት ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ምስ ትካላት ህዝባዊ ሕክምና ኣባል ሃገራት  ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሕ ተፈሊጡ’ሎ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ቻይናን ክብጻሕ ዝጸንሐ ስምምዓት፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን  ሚኒስተር ንግዲ ቻይናን  ንኣተገባብራ ፕሮጀክት ናይዚ  ዝተመረቐ ህንጻ ዝምልከት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ስምምዓት ተኸቲሙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።  

ኣብዚ እዋንዚ እቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመዘዙ ሓድሽ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኣብ ምብጻሕ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም ዝርከቡ። እተን ዝበጽሕወን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡  በኒን፡ ጋቦን፡ ኣንጎላን ግብጽን ኮይነን፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ርክብ ድማ ነብሱ ዝኸኣለ እዩ። ኣብ ግብጺ ምስ ቤት ጽሕፈት ዓረብ ሊግ ከም ዝራኸቡ ድማ ተፈሊጡ።

ምስሊ ካብብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ጓል 21 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳኒኤል፡ ኣብ ሃገረ ስፐይን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ናይ ኣትለቲክስ ውድድራት ቀዳመይቲ ብምዃን ክልተ ወርቂ መዳልያታት ተዓዊታ። እቲ ራሄል ዝተዓወተትሉ ውድድራት፡ ብ6 ጥሪ 2023 ዝተኻየደ መበል 66 ሻምፒዮን ሃገር ኣቋራጺ ሻምፒዮንንን ብ8 ጥሪ 2023 ዝተሳለጠ መበል 79 ዓለምለኸ ናይ ኣትለቲክስ ሻምፒዮን ምዃኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ብዓወት እታ ኣትለቲካዊት ሓጐሱ ንምግላጽ ዘውጸኦ መልእኽቲ  ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡  ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ራሄል ዳኒኤል ናይ መጀመርታ ኤርትራዊ እያ።

ኣብዚ ራሄል ዝተዓወተትሉ ናይ ቀረባ ቀንዲ መወዳድታ  ዝነበራ ቅድሚ ሕጂ ናይዚ ውድድር ዕዉታት ዝነበራ ኬንያውያን ኮይነን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ባሕሬንን ብሩንድን ዝተኻፈላ ተሳተፍቲ እውን ነይረን። ኣትለቲክዊት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሪጐን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ  ውድድር ኣትለቲክስ  10 ሽሕ ሜትሮ እውን 5ይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ከም ዝፈጸመት ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ቅልጣፈኣ ድማ 30:12፡15 ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ኣብ ሱዳን በቲ ስምምዕ መሰጋገሪ ፖለቲካዊ መስርሕ መሰረት፡ ናብ ካለኣይን  መወዳእታን ደረጃ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክኣትዉ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሱዳን ትሪቡን  ንስሉሳዊ ኣሳላጢ ኣካል ብምጥቃስ ሓቢራ።

በቲ ናይ ሱዳን ትሪቡን ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ መስርሕ፡ እቲ ሲቪላዊ ኣካልን ወተሃደራዊ ወገንን ሱዳን፡ ቅድሚ ናብ ምርጫ ዘብጽሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቶም፡ ኣብ 5 ዛዕባታት ክሰማምዑ ትጽቢት ይግበረሎም።

እቶም ንክሰማምዕሎም ትጽቢት ዝግበረሎም ሓሙሽተ ኣገደስቲ ዛዕባታት፡ ጸጥታዊ ዳገመ-ስርርዕ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ቅልውላው ምብራቕ ሱዳን ምፍታሕን ተረፍ-መረፍ ናይቲ ዝተወገደ መንግስቲ ዑመር ኣል በሽርን ከም ዝርከብዎም  ኣበቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ከተምቲ ናይቲ ስምምዕ መስርሕን ስሉሳዊ ኣሳለጥን፡ ሰብ መዚ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብ8 ጥሪ 2023 ናይ መወዳእታ መስርሕ ንምብጻሕን ፖለቲካዊ ጉዳያት ንምምዕርራይን ዝምልከት ርክብ ኣካይዶም እዮም። ኣብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ሕውነት ኣብ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝተኻየደ ናይዞም ዝተጠቕሱ ፈረምቲ ኣካላት ኣኼባ፡ ናይ ሱዳን ሲቪላውን ወተሃደራውን ከተምቲ’ውን ተሳቲፎም።

ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ስምምዕ ዘይተበጽሓሎም ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምምኽኻር ድማ፡ ብ9 ጥሪ 2023 ርክብ ከም ዝግበርን ድሕሪኡ ኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ መጻኢ መርሓ-ጐደና ንምሕዳስ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። እቲ መስርሕ በቲ ዝቐለለ ኣጀንዳ፡ ምውጋድ ተረፍ-መረፍ ኣካላት ምምሕዳር መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ከም ዝጅምርን ድሕሪኡ ከከም ክብደቶም ብዛዓባቶም ዝተረፉ ምርድዳእ ከም ዝቕጽል እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ መዝጊቡ። 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓላት ልደተን ጥምቀትን ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ክርስትና፡ እንቋዕ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ። ሓድሽ ዓመት 2023ን ዓመተ ሰላም፡ ጥዕናን ዓወትን ክኸውን ትምኒቱ ይገልጽ።

በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓለፍናዮ መሪር ተመክሮ ይኣክል ዝብል፡ ንኹሉ’ቲ ኣወንታታት ድማ ዝዕቅብን ዘማዕብልን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢና ተወሊዑ ንዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ዘብቅዕን፡ ንዝተፈለመ ናይ ሰላም መስርሕ ብዓወት ዝዛዝምን ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።

ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንኹሉ’ቲ ከም ህዝቢ ዝወረደና ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።

ፍትሕን ሰላምን ይንገስ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

7 ጥሪ 2023

ኣብ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኪዳነ ዘካርያስ (ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብ1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ካልእ ተዛመድቲ ገበናትን ይድለ ንዝነረ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ምስ ሓዉን ካለኦት ናይ ቀረባ ተሓባበርቱን፡ ምስ ፖሊስ ሱዳን ብምትሕብባር  ከም ዝኣሰርዎም ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ድሕሪ ናይ 9ተ ኣዋርሕ ናይ ኢማረትን ዓለምለኸ ምክትታል ፖሊስ (Interpol)ን ከም ዝተታሕዙ እቲ ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ’ሎ።

በቲ ዓለምለኸ ምክትታል ፖሊስ ዝሓበሮ መሰረት፡ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ክድለ ዝጸነሓሉ ምኽንያት፡ .ኣብ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብዝብል ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኪዳነ ዘካርያስ፡ ብኢትዮጵያን ሆላንድን ናይ መውዳእታ፡ ናይ ምድላዩ መጠንቀቕታ ናብ ዓለም ለኸ ምክትታል ፖሊስ ቀሪብዎ ዝነበረ፡  ብምግዳድን ምስዋር ስደተኛታትን፡ ብተመሳሳሊ ክሳብ ብቅትለት ሰባትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን  ዝበጽሕ ከበድቲ ገበናት ዝድለ ዝነበረ ገበነኛ እዩ።

ኪዳነ ዘካርያስ ቅድሚ ኣብ ሱዳን ምትሓዙ፡ ንዓኡ ብዝምልከት ናይ ዝተመስረተ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሆላንድ፡ ኢማራት፡ ኤውሮጳን ከባብያዊ ናይ ስርሒት ኣካላትን ብኣባልነት ብዝተሳተፍዎን ብሓገዝ ጸጥታ ሱዳንን ብዛዕባ ንምትሓዙ ዝምልከት ገምጋም ተኻይዱ ምንባሩ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ናይ ኢማራት ጸጥታ ብዝገበሮ ምክትታል፡ ኪዳነ ምስ ቤተሰቡ ብዝነበሮ ናይ ርክብ መርበብን ዘካይዶ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ክቃላዕ ተኻኢሉ።

ኪዳነ ዘካርያስ ብ2020 ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝበደሎም ሰባት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ንዝተሓባበርዎ፡ ዝለዓለ ዓቐን ገንዘብ  ከፊሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ሒዘሞ ይኸዱ ካብዝነበሩ ሓለዋ ከም ዝሃደመን ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይህላወኡ ብለካቲት 2021 ንሕልፈት ከም ዝተፈርዶውን ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ። ርኢቶይ ኣብ ዜና፡ (may views on news)  ዝተባህለ ፖለቲካውን ጸጥታውን ከባቢና እናተኸታተል ዜናዊ ጸብጻብ ዘቕርብ፡ ናይ ዩቱብ መስመር ብወገኑ ኪዳነ ዘካርያስ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ቀረባ ዘመድን ምስ ትካል ንግዲ ኮርፐረሽ ቀይሕ ባሕሪ ምቅርራብ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪብ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ጥካል ጥዕና ዓለም

ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ መግብን መድሃኒትን፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን  ምምሕያሻት ይረአ ከም ዘሎ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ  ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት  ይፍጽሞ ኣሎ ብዝበልዎ በደላት ስኽፍታ ከም ዝሓደሮምን ኣረዲኦም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጥዕናዊ ጉዳያት ብ5 ጥሪ 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ረዲአትን ከም ባንክን ቴለኮሚኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ የርእዩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ጌና ተጠቃሚ ናይቲ ሰብኣዊ ረዲአት ዘይኮነ ከባብታት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ዳይረክተር ኣተሓሒዞም እቲ ቀንዲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ብደሆ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ህላወን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዘውርዶ ዘሎ በደላትን እዩ  እውን  ኢሎም። ቀጺሎም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ንድሕሪት ንከይመልሶ፡ ሕብረተሰብ ዓለም  እቲ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ተጽዕኖኡ ከሕይል ጸዊዖም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ዝወጸ ዝሕብራ መዲያታትኳ እንተለዋ፡ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ከኣ ብዛዕባ ህላወ እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ እዮም ጸብጻባት ዘቕርቡ።

ኣዲስ ስታንዳርድ፡  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብወገና ብ4 ጥሪ 2023  ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ጐደና ቻይና ጥቓ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ካሕሱ፡ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጹላ ኣስፊራ።

ኣብ 2022 ኣብ ኣፍሪቃ 56 ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣስሩን ካብተን ቀዳሞት ብምእሳር ጋዜጠኛታት ዝፍለጣ  ሃገራት፣  ኤርትራን ግብጽን ብደረጃ ዓለም እውን ቅድሚት ከም ዝስራዓ፡ ኮሚተ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ 25 ታሕሳስ 2022  ብዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። በቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ መሰረት፡ ክልቲአን ሃገራት ብቕደም ሰዓብ  9ን 7ን ጋዜጠኛታት ኣሲረን።

ብደረጃ ዓለም ክረኣይ እንከሎ፡ ናይ 2022 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብዝለዓለ ወሲኹ ኣሎ። ብደረጃ ሃገራት ሳብ-ሳህራን፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስርሉ ዞባ ኮይኑ፡ ብመሰረት’ቲ  ጸብጻብ  ዓለምለኸዊ  ትካል ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጥኛታት፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን፡ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ፡ ከም ገሃስቲ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን  ኣሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኮይነን ሰፊረን ኣለዋ።

እቲ ንናጽነት ፕረስ ዝጣበቕን ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕን ኣብ ከተማ ነውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ኣቐዲሙ ብ14 ታሕሳስ 2022 ኣብ  ዘውጸኦ ካልእ ጸብጻብ፡ በብኩርናዑ ዝተራእዩ ግርጭታት፡ ጭቆና ውሑዳትን ወጻዕቲ ምምሕዳራትን፡ ዓመተ-2022 ክሳብ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ 363 ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላን  እቲ ብዝሒ  ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብ20 ሚእታዊት ክውስኽን ምኽንያት ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ መወዳእታ ከም ዘስፈሮ፡ ብዝሒ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክውስኽ እንከሎ፡ ኤርትራ ከኣ ከምቲ ዝጸንሓቶ ብደረጃ ሃገራት ሳብ-ሰሃራ ኮነ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እታ ንጋዜጣኛ ዝኸፈአት፡ ብደረጃ ዓለም 16 ጋዜጠኛታት ኣሲራ 9ይ ደረጃ ሒዛ፡ ዝኣሰረቶም ጋዜጥኛታት ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመታት ንዝኣክል ግዜ ናብ ፍርዲ ዘየቕረበቶም፡ ምስ ቤተሰቦምን ጠበቓን ርክብ ዘየፍቀደትሎም ሃገር ኮይና ከም ዝቐጸለት፡ እቲ ዓለም ለኻላዊ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ምቅልዑ ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ተመልኪቱ።