EPDP News

ሱዳናውያን ተወከልቲ ወተሃደራዊ ሓይልን ሓይልታት ለውጢ ንናጽነትን ብ5 ታሕሳስ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም መጻኢ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም ስምምዕ ፖለቲካዊ ቻርተር ከም ዝኸተሙ መርበብ ሱዳን ትሪቡን/SUDANTRIBUN ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲ ምኽታም ፖለቲካዊ ቻርተር፡ እቶም ዝኸተሙ ናይ 2019 ሕገ-መንግስታዊ ኣዋጅ ንምስራዝን ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ዕልዋ 25 ሕዳር 2021 ኣዋጅ መሊስካ ንምግምጋምን ከም እተሰማምዑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ናይ ጁባ ስምምዕ ዝበሃል በዚ ሓድሽ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክትካእ እዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ ሱዳን ሓደ ሞያዊ ሃገራዊ ሰራዊት ጥራይ ክምስረትን እቲ ህጹጽ ሓይሊ ዝበሃል ኣካል ናብቲ ሃገራዊ ሰራዊት ክጽንበርን ዝሕብር ኮይኑ፡ ብዘይካቲ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ፡ ብስም ሰራዊት ወፍርን ንግድን ምክያድ ይኽልክል።

እቲ ሰነድ ህያውነት ፖሊሲ ተሓታትነት፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትሕን ደጊሙ ምርግጋጹን፡ ገበናት ውግእ፡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዲሞክራሲን ድሕሪ ዕልዋ ሕዳር 2021 ዝተኻየደ ቅትለትን ብመንጽርዚ ህያው ፖሊሲ ከም ዝረኣዩ ኣነጺሩ። በቲ ዝተኸተመ ሰነድ መሰረት፡ ናይ ሱዳን ርእሰ-ብሄር ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ክኸውን እዩ።

እቲ ናይ ክልተ ዓመታት መሰጋገሪ ግዜ፡ ብሓይልታት ናይቲ ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስያም ክጅምር እዩ። እቲ ሰነድ ከም ዝጠቕሶ ብ2019 ኣጋጢሙ ዝነበረ ምድንጋራት ንከይድገም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ክመዝዝ እዩ። ናይታ ሃገር ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ንኹሎም ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ክቆጻጸር እዩ።

በዚ ሕድሽ ስምምዕ መሰረት ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ሓጋጊ ባይቶ፡ ርእሰ-ብሄርን ናይ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ናጻ ኮሚሽናትን ክህልዉዎ እዮም። እቲ ሰነድ ካብ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሓጋጊ ባይቶ ኣባላት 40% ደቂ ኣንስትዮ ንክኾና ዘተባብዕ እዩ።

እቲ ስምምዕ ቅድሚ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ቆላሕታ የድልዮም ዝብሎ ኣርባዕተ ዛዕባታት ተጠቒሶም። ንሳቶም፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትንሕን፡ ጸጥታዊ ምትዕርራይ፡ ምግምጋም ስምምዕ ሰላም ጁባን ፈጺምካ ምውጋድ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽርን እዮም።

.

ኣሚሪካ፡ ኤርትራ ዘላተን ሃይማኖታዊ ኩነታተን ዝተሓሳስባ 12 ሃገራት ዘርዚራ። ናይ ኣሜሪካ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶኒዮ ብሊንከን ነዚ ብዝምልከት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብተን ሃገራት፣ ዓለም ለኻዊ ሃይማኖታዊ  ነጻነት ምጥሓስን ኣብ ልዕሊ እምነትን ኣመንትን ገደባት ምጽዓንን  መለለይኤን ምዃኑ ጠቒሶም።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ እዛ ኣብዚ ሓድሽ ዝርዝር ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ በይና  ሰፊራ ዘላ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ኩሉ ሃይማኖት ዝግህስ ፍጻመታት ክትክሰስ ዝጸንሐት እያ። ነዚ ዘቃለዓ ድማ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ስለ ዝእሰሩን  እምነታት ድማ ኣደዳ እገዳን ዕጽዋን ከም ዝኾኑን ከምኡ እውን ትካላቶም ክዕጸዉን ክዝመቱን ከም ዝጸንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጹ ከም ዝጸንሑ ኣብዚ ሓድሽ መግለጺ እውን ተዳህሲሱ’ሎ።

ኣብቲ መግለጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ብዝተፈላለዩ  ኣስማት፡  ሃይማኖት መሰረት ገይሮም ብረታዊ ምንቅስቓስ ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት እውን ዝተጠቕሱ ኮይኖም፡ ናይተን 12 ሃይማኖታዊ ነጻናት ኣዝየን ዝግድባ ሃገራት ዝርዝር ድማ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ ጥራይ ኮይና፡ በርማ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ሳዑዲ ዓረብያ፡ ታጃክስታንን ተርክሜንስታንን እየን።

ኣብ ኤርትራ ብመሰረቱ  ከቢድ ሃይማኖታዊ ግህሰታት ዝፍጸም ኮይኑ፡ ምስዚ ኩሉ ክንቀሳቐሳ ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት፡ ኦርተደኩስ ተዋህዶ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትን፡ ሎተራን ቤተክርስትያንን ሱኒ እስልምናን ጥራይ ምዃነን ኣብዚ ሓደሽ መግለጺ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ሰፊሩ። እዚ መግለጺ ብዘይካትን 12 ሃይማኖታዊ ጥሕሰታት ይረኣየን ዝተባህላ፡ ኣልጀርያ፡ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን እውን ቆላሕታ ከም ዝግበረን ተጠቒሱ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣሜሪካዊ ሓላፊ፡ ሃገሮም ብደረጃ ዓለም ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር  ብቐጻሊ ከም ዝስራሕ ጠቒሶም፡ ምስተን ጥሕሰት ዝፍጽማ ሃገራት ዝግበር ዝምድና ንምምምሕያሽ ሃገሮም ከም እትጽዕር ከኣ ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ጐኒ ኣማኒ ህዝቢ ዘይኮነ፤ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኮይኖም ካብ ሕጊ ቃኖና ቤተ ክርስትያን  ወጻኢ ብህግደፍ ተመዚዞም ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ነቶም ን15 ዓመታት ተሓይሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦኒዮስ ካብ ዝጠለሙ መራሕቲ ሃይማኖት ሓደ እዮም ተባሂሎም ክሕመዩ ዝጸንሑ፡ 5ይ ፓትርያርክ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ  ኣቡነ ቄርሎስ ብ2 ታሕሳስ 2022 ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ምርኢት ካብ ዝቐረቡ ስእልታት

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ዝበልዩን ዝሳቐዩን ዘለዉ፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝሰርሑ ዝነበሩ  ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ንምዝካር ኣብ ቀጽሪ ፓርላማ ሃገር እንግሊዝ፡ ሞያዊ ስረሓቶም ዘዘክር ምርኢት ከም ዝተኻየደ፡ ጋዜጠኛ፡ ተመራመርን ደራስን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውንት ሓቢሩ።

እቲ ምርኢት ፎካስ ኤርትራ፡ ፔን ኤርትራን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ከም ዘሰናድእዎ ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ። እቲ ምርኢት ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ፓርላማ ቤት ጽሕፈት ኮሚተታት ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣባላት ፓርላማ ብቐሊሉ ክዕዘብዎ ኣብ ዝኽእልሉ ኩርናዕ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብ18 መስከረም 2001 ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዓጽዩ፡ ብዘይካ መሳርሒ ዝኾንዎ ውሱናት  ነቶም ጋዜጠኛታተን ቀይዱ ሃለዋቶም እዩ ኣጥፊእዎም። እዞም ሽዑ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡን፡ እንተኾነ እቲ መንግስቲኳ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ገይሩ እንተሰወሮም፡ ብኤርትራውያን ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ግና ኣይተረስዑን። ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ እተን ኣዝዩ ጽኑዕ ምቁጽጻር ዝግበረለን መንግስታዊ መድያታት እየን ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ።

ኣብ ዓመተ-2022፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ዝተበገሱ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ 863 ሃለለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት IOM ብምጥቃስ ኤረና ገሊጻ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ዓመት 508 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ከረጋግጽ እንከሎ፡ 20,842 ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ተመልኪቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት IOM፡ ካብ 13 ክሳብ 19 ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ጥራይ 235 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ጉዕዞ ባሕሪ  ናብ ሊብያ ተመሊሶም።

እቲ ትካል ምስ ናይዚ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ካብ ዝተመልሱ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝሖም፡ 32,425 ምንባሩ ኣስፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ መማህራን ዩኒቨርስትን ተክኒካዊ ሓገዝቶምን ን5 ታሕሳስ 2022 ስራሕ ጠጠው ከብሉ መዲቦም ከም ዘለዉ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዝለኣኽዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም። መማህራን ሱዳን ድማ ብ28 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱ ዳባንጋ ዝተሃብለት ናይ ብሕቲ ሬድዮ ኣፍሊጣ።

እዞም 40 ሺሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን መማህራን ዩኒቨርስትን ተክኒካል ተሓጋገዝቶምን ናብዚ ውሳነ ዝበጽሒ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ክፍተሓሎም ናብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ዘቕረብዎ ጠለባት ስለ ዘይተመለሰሎም እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ንመማህራን ዩኒቨርስቲ ጥራይ ተባሂሉ ዝወሃብ መፍትሒ የለን፡ ዝብል መልሲ ምስ ሃቡ  ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል  ዕለት ከውስኑ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ።

በቶም መማህራን ክምለሰሎም ዝቐረበ ጠለባት ወሰኽ ደሞዝ፡ ናይ ገዛ ክራይ ኣበል፡ ቀጻሊ ናይ ደረጃ ዕቤትን ንምርምር ዝኽፈል ገንዘብን ዝብሉ ይርከብዎም። በመሰረት መግለጺ ናይቶም መማህራን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባና ንመማህራን ዩኒቨርሲቲ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ እትኸፍል ሃገር እያ።

ናይ ሱዳን መማህራን ብወገኖም ብ28 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱን በዚ ኣድማ ልዕሊ 20 ሺሕ ኣብያተ ትምህቲ ተዓጽየን ከም ዝወዓላን ሬድዮ ዳባንጋ ኣፍሊጣ። መማህራን ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዘቐረብዎ፡ ወሰኽ ደሞዝን ካልእ ገንዘባዊ ክፍሊትን ዘጠቓልል ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ጠለብ ስለ ዘይተመለሰሎም ናብዚ ተቓውሞ ከም ዝበጽሑ  ተፈሊጡ። ነዚ ጠለቦም ብ16 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ኣቕሪበምዎ ከም ዝነበሩ እውን ተፈሊጡ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዩኒቨርስቲ  መማህራን፡ ተመሃሮን ወለዲ ተመሃሮን ኣብ ጐኖም ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተጽዕኖ ክገብሩ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቶም ተመሃሮ ትምህርቶም ምክትታል ከየቋርጹን ካብ ዝኾነ ሕጋዊ ዘይኮነ ተግባራት ክቑጠቡን ኣተሓሳሲቦም።

መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ 49 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ርክብ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ንክሳተፉ ከም ዝዓደሙ፡ ፍልይቲ ተሓጋጋዚት ናይቶም ፕረሲደንትን ብሄራዊ ጸጥታን ኣማኻሪት ርክብ መራሕቲ ኣሜሪን ኣፍሪቃን ዳና ባንክስ ሓቢረን። እቲ ርክብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ካብ ዕለት ቲ13 ክሳብ 15 ከም ዝካየደ እውን እተን ኣሜሪካዊት ላዕለወይቲ በዓል መዚ ጠቒሰን።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ርክብ፡ ተሳተፍቲ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ናይ ኣየር ለውጥን ሓለዋ ጥዕናን ወሲኾም፡ ብዛዕባ ሰፋሕቲ ዓለማውን ክልተኣውን ዛዕባታት ከም ዝመያየጡ እተን ኣሜሪካዊት ኣፍሊጠን። በቲ ናይተን ኣሜሪካዊት ሓበሬታ መሰረት፡ እዚ ርክብ ዝያዳ ኣብ እስትራተጂ ኣሜርካ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራን ኣገዳስነት ምፍታሕ ብደሆታተንን ዘድህብ ክኸውን እዩ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ንግዲ ኣብ መንጎ መንእሰያት መራሕቲ ምይይጥ ከም ዝካየድ፡ ምክትል ተሓጋግዚ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ ሮበርት ስኮት ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ከኣ እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ፕረሲደንት ባይደን ዘሕልፍዋ ክትከውን እያ። ኣብ መወዳእታ ወይዘሮ ዳና ባንክስ እቲ ርክብ ንግደ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ምሃብን ብደረጃ ዓለም ኮነ ዞባ ቀዳምነታታ ናይ ምንጻርን ዓላማ ኣለዎ ኢለን። 

ካብቶም ተዓዲሞም ክንሶም ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ኮነ ኣብ ዞባ ዘለዎም ሕማቕን ጸረ ህዝብን ተግባራት ክተርፉ እዮም ዝበሃሉ መራሕቲ ቀዳማይ ዝስራዕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ብ24 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝበጽሑን፡ በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም መሰረት “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ይግባእ” ከም ዝበሉን ድምጺ ወያነ-ትግራይ ሓቢራ። በቲ ካብ ድምጺ ወያነ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ዕላማ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመስርሕ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምሕጋዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብወገኖም፡ ነቲ ዝተኸተመ ስምምዓት ብዝምልከት ኣብ ናይ ህዝብን ሰራዊትን መድረኻት ምርድዳእ ይግበር ከምዘሎን፡ ኣብ መዲያታት እውን ነቲ ስምምዓት ቆላሕታ ብምሃብ መግለጽታት ይወሃበሉ ከምዘሎን ገሊጸምሎም። ኣብ ትግራይ በዂረን ዝጸንሓ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፡ ናብ ንቡር ክምለሳ እየን ብዝብል ተስፋ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ እውን ዶ/ር ደብረጼን ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ገሊጸምሎም።

ዶ/ር ደብረጼን ኣተሓሒዞም ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጌና ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ንጹሃት ዜጋታት ግፍዒ የውርድን ነቲ መስርሕ ሰላም ዘሪጉ ናብ ውግእ ክመልሶ ይጽዕር ከምዘሎን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ካብቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዛተዩ ሓደ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኖም መስርሕ ትግባረ ውዑል ሰላም ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ወከልቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሽረ ከም ዝራኸቡ ምግላጾም ድምጺ ወያነ ጠቒሳ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ምድላዋቱ ከም ዘጻፈፈ ናይቲ መንገዲ ኣየር ዋና ፈጻሚ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም። እቶም ዋና ኣፈጻሚ ከም ዝጠቐስዎ ናይቲ መንገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ምጅማር፡ ረዲአት ቀልጢፉ ክበጽሕ ወሳኒ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ጠቒሶም። ቅድሚ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ምጅማሩን ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ትግራይ ብዙሕ ዕለታዊ ብረራታት ከም ዝነበረ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ናይቲ መንገዲ ኣየር ኣዘኻኺሮም።

ንስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተኸቲሉ ዝካየድ  ምጅማር በረራ ናብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ንጥፈታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እውን ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረን ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዝኽእልሉ ደረጃ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ናይ ኣኽሱም ግና በቲ ውግእ ስለ ዝተጐድአ ጌና ጽገና ከም ዘድልዮ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ኣብቲ  ሓበሬታኦም ተቒሶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ በቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ከም ዝተተባብዑ ገሊጸምሎም። ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ብፍላይ ድማ ኣብ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ረዲአትን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ቀልጢፉ ንክስራሕ፡ ከም ዘተሓሳሰብዎም ካብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ  ቁጠባዊ ልምዓት ንክቕጽል፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ትግራይ ዝበጸሓቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከም ዝግበኣ ኣሚሪካዊት ላዕለወይቲ ሓላፊት ኣፍሊጠን።

 እተን ከምዚ ዝበለ መግለጺ ዝሃባ ሓላፊት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞለ ፊ እየን። ንሰን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ብዛዕባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ መብርሂ ክህባ እንከለዋ፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተሓቲተን መልሲ ኣብ ዝሃባሉ እየን። ኣብቲ መልሰን ኢትዮጵያ በቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ሃገራ ከተውጽእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሰማሚዓቶ ዘላ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሃገራ ከተውጽእ ይግበኣ ኢለን።

ብመሰረት ናይተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት መግለጺ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኡ፡  መንግስቲ ኣሜሪካ ዝነበሮ  ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ናይ ልምዓት መደባትን ክቕጽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ። ብፍላይ ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ትባሂሉ ዝወጸ ኣጎዋ ዝበሃል፡  ፍርያት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ክቐርብ ዝፈቅድ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ዝነበራ ሓለፋ ዳግማይ ክወሃባ፡ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ዝወሃባ ሓገዝ ክቕጽልን እንተኾይኑ፡ ኣብ ግብራውነት  ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝምርኮስ እተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት  ሞለ ፊ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ካብ ትግራይ ናይ ምውጻእ ኣብያ፡  ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ወሃብ ቃል ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ፍሉይ ሓይልን መሊሻን ኣምሓራ ካብ ትግራይ ዝወጹ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ድሕሪ ምፍተሖም እዩ” ዝብል መግለጺ ምሃቦም ኣብ ልዕልቲ ስምምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።

\

ኣብታ ብሕታዊት መንግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ይስሃቅ መሓሪ ከም ዝተኣስረ፡ ሬድዮ-ኤረና ብ19 ሕዳር 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ሓቢራ። ይስሃቕ ማሓሪ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ካብ ግዱድ ውትህድርና ዝተሓብአ ወዱ ስለ ዘየረከበ ምዃኑ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ  መሓሪ ዝተሓብኣሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት  ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ግድዱ ውትህድርናን ተሳትፎ ኤርትራ  ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ  ውግእ ኢትዮጵያን  ብምቅዋም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። ብሰንክዚ ቤተሰብ ይስሃቅ መሓሪ ካብ መንበሪ ገዝኦም ክወጹ ተገዲዶም ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ካብ ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ደቅኹም ናብ ውትህድርና ኣየረከብኩምን ብዝብል፡ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ይእሰሩ፡ መንበሪ ኣባይቶም ይዕጾውን ንብረቶም ይውረስን ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።