ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ተጨውዩ

2024-04-14 08:54:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 392 times

እቲ ወዲ 12 ዓመት ግዳይ ኣማን መሓመድ ዑስማ

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ከም ዝተጨውየ ቢቢሲ ንስድራቤት እቲ ግዳይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ገጹ ሸፊኖም ብባጃጅ ከም ዝወሰድዎ ተሓቢሩ።

እቶም ጨወይቲ ድሕሪ ዝትወሰነ ግዜ፡ “800 ሺሕ ብር እንተኸፊልኩም ወድኹም ክንህበኩም ኢና። እንተደንጒኹም ድማ እቲ ዓቐን ገንዘብ ክውስኽ እዩ” ከም ዝበልዎም ቢቢሲ ኣዲኡ ወይዘሮ ራሕማ ንዝሃበቶ ቃል ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ኣደ እቲ ግዳይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዘይትኽእል ምስቶም ዓመጸኛታት ንምርድዳእ እናበኸየ ዝትርጉመላ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወዳ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ወይዘሮ ራሕማን ስድረኣን ካብ ኤርትራ ቅድሚ 10 ዓመታት ወጺኦም፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ  ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ 8 ዓመታት ጸኒሖም። ጸጥታዊ ምኽያት ኣብኡ ምቕጻል ምስ ጸገሞም ኣብ መወዳእታ 2022 ናብዚ ሎሚ ዘለዉዎ መደበር ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዝሰገሩ እዮም።

ኣብቲ ምጭዋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓፈሻዊ ጸጥታኡ እውን ውሑስ ዘይኮነ መደበር ስደተኛ እትነብር ወላዲት እቲ ዝተጨውየ፡ ዝተሓተተቶ ገንዘብ ከፊላ ወዳ ከተድሕን ዓቕሚ ስለ ዘየብላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝለዓለ ጨንቂ ከም ዘላ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ጨዊኻ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቐን  ገንዘብ ምሕታት ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ገበን ኮይኑ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ገበን ዝተቓልዑ እዮም።

Last modified on Sunday, 14 April 2024 11:01