ትካል ጥዕና ዓለም፡ ማእከላት ጥዕና ሱዳን ከይጥቀዓ ጸዊዑ

2024-04-17 08:53:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 191 times

ስእሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሃኖም (ካብ መሕበራዊ መዲያ)

ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም/WHO፡ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ብሰንክቲ ሓደ ዓመት መሊኡ ዘሎ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና ዝካየድ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ንሱ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረበ ኣብቲ ብ15 ማዝያ 2024 ንሰብኣዊ ሃለዋት ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ፓሪስ ዝተጋብአ ሰፊሕ ዋዕላ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ዋዕላ ንዝወደቡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ሕብረት ኤውሮጳን ኣመስጊኑ።

ዶር ቴድሮስ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ናብ ሱዳን ዘእቱ ኣፍደገ ከም ዘድልዮ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ብወገን ቻድ ዘሎ ኣፍደገ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ህጹጽነት ጥዕናዊ ኩነታት ሱዳን ብምጥቃ ካብቲ ዘድልዮ ገንዘብ ኣብ ኢድ እቲ ትካል ዘሎ 12% ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ትካላትን ንክልግሱ ጸዊዑ።

ኣብ መደርኡ፡ ኣብ ህይወቱ ምስ ሱዳን ዘለዎ ዝምድናን ብዓብይኡ ከኣ ካብቲ ዞና ዝመጸ ብምዃኑ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብውቁ ከም ዝሓዝን ኣስፊሩ፡ እቲ ዝፍጠር ዘሎ  ናይ ጥዕናዊ ጸገም በሰላ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ዝመሓላለፍ እዩ ኢሉ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ፡ 15 ሺሕ ሱዳናውያን ብሰኪቲ ውግእ ከም ዝተቐትሉ፡ ዳርጋ 30 ሺሕ ከም ዝቖሰሉ ብዙሓት ከኣ ብሕማምን ጥሜትን ይሞቱ ከምዘለዉ ከምኡ ከኣ ዝያዳ 15 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ጥዕናዊ ረዲአት ከም ዘድሎም  ተጠቒሱ።

ብመጽናዕቲ ዝተጻረየ ጥራይ ኣብ ልዕሊ 62 ጥዕናዊ ማእከላት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን፡ ዘይተጸንዐ ጉድኣት ከም ዝህሉን ዝጠቐሰ ዶር ቴድሮስ፡ ብሓፈሻ 70% ማእከላት ጥዕና ሱዳን ይሰርሓ ከም ዘየለዋ ሓቢሩ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሱዳን ብስእነት ሕክምና ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይሳቐዩ ኣለዉ ምባሉ ካብቲ ዋዕላ ዝወጸ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

Last modified on Wednesday, 17 April 2024 11:04