EPDP News

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብ19 ለካቲት 2020 መበል 45 ዝኽሪ ምምስራቱ ኣብ ዓለም-ለኸ ስታድየም ከተማ መቐለ “መስመርና ኣጽኒዕና ንመኸተ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ ብድምቀት ኣኽቢሩ። ኣብዚ በዓል ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣካላት ፈደራላዊ ሓይልን ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ተሳቲፎም።

ኣቦመንበር ሕወሓትን ምክትል ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ዶ/ር ደብረጽዮም ገብረሚካኤል ኣብቲ በዓል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዚ ግዜ ናይ ምውሳን እዋን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ሕጋውነቱ ዝውዳእ ዘሎ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ከይዝንግዕ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ በዓል ካብ ግዜ ኣኽሱም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ትግራይ ትሓልፎ ዘላ ናይ ስልጣነ፡ ጥበብን ፖለቲካን መስርሕ ዘመልክት ሰፊሕ ምርኢት ቀሪቡ። ብዘይካዚ ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቕሪቦም። ብኣሸሓት ናይ ዝቑጸሩ ሰማእታት ትግራይ ኣሳእል ከኣ ብሰልፊ ቀሪቡ። ኣካለ ስንኩላት ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት እውን ተሰሊፎም።

እዚ በዓል ቅድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ክኽበር ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ድሮ እዚ በዓል ከኣ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ ትግራይ ኣብቲ መስርሕ ዝድህስስ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ነቲ በዓል ብዝምልከት ብማእከላይ ኮሚተ ሕወሓት ኣብ ዝወጸ ሰፊሕ መግለጺ፡ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ።

“ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዋግዮምን ተጋግዮምን ከምዘይፈልጡ ትርደኦ ኢኻ። ሓቢርና ብዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ንስርዓት ደርጊ ደምሲስና ናይ ሓባር ዓወት ዓቲርና ኢና። ናይ ቃልስኻ ቀንዲ መንቀሊ ዝኾነ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ኣረጋጊጽካ ኢኻ። በዚ ከኣ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ይሕበኑ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ምኽንያታዊ ኣብ ዘይኮነ ውግእን ጐንጽን ኣቲና ኩልና ኣድላይ ዘይነበረ ዋጋ ከፊልና ኢና። እዚ ዝገደፎ በሰላ ቀሊል ከምዘይኮነ ከኣ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ሎሚ ግና ናይ ሓባር ጠቕምናን ዝምድናናን ብምሕዳስ ናይ ሓባር ዕብየትና ምውሓስ ናብ ዘኽእል ከነሰጋግሮ ህወሓት ደጊሙ መጸዋዕታኡ የቕርብ።”

ኣብ መኽፈቲት እቲ ብ18 ለካቲት 2020 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ዝምልከት ኣኼባ ኤርትራ ኣብ ዝርዝር እተን በደል ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈጽማ ሃገራት ተጠቒሳ። ምስ ኤርትራ ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቨንዙዋላ፡ ኢራን፡ ሩሲያን ካለኦት ጨቆንቲ መንግስታትን እየን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዘን ሃገራት ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮና እውን ካብዚ ተግባራተን ከምዘይተቖጠባ ተጠቒሱ። እዘን ሃገራት ብዘይ ሕፍረት ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣባላት ኡይግሁር ብሓይሊ ኣብ መደበ ንምስፋር ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ምድጋፈን ከኣ ብፍሉይ ኣብዚ ኣኼባ ተጠቒሱ።

ኣቶ ሂለል ኑየር ፈጻሚ ዳይረክተር ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋብአ ኣስታት 700 ሰባት ዝተሳተፍዎ ርክብ ቃል ኣስሚዖም። ንሶም ብስም እተን ነዚ ቅድሚቲ እቲ ብ24 ለካቲት ክሳብ 20 መጋቢት 2020 ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ዘዳለዋ 25 ዓለም ለኻውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት እዮም ቃል ኣስሚዖም። ዳንየል ክራቨትዝ ሓላፊ ናይቲ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 43 ዓመታዊ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርቡ ትጽቢት ኣሎ።

Geneva Summit for HR and Democracy 2

ኣብዚ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ መበል 12 ርክብ ጀነቫ፡ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፡ ግዳያት ግህሰት፡ ምሁራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ቃል ኣስሚዖም። ኣብ ከምዚ ኣኼባ ዝሳተፉ ሲቪል ማሕበረሰባት፡ ምስኣቶም ግዳያት ግህሰት ወይ በዚ ጉዳይ ተኣሲሮም ዝነበሩ የሳትፉ እዮም። ኣብዚ ዓመትዚ ኣፍሪቃ፡ ብግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ተኸላኸልቲ መሰልን ካብ ማላውን ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን እያ ተወኪላ።

እቲ ኩሉ ግዜ ዘሕዝን ኣብዚ ርክብ ካብ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ግህሰት ከቃልዕ ዝኽእል ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ግዳይ ዘይምንባሩ እዩ።

At the opening session of the 12th Geneva Summit for Human Rights and Democracy on Tuesday, 18 February 2020, Eritrea was listed alongside North Korea, Venezuela, Iran, Russia and other authoritarian regimes for supporting human rights abuses in the world even while they are members of the UN Human Rights Council. He singled out a number of authoritarian states in connection with their unashamed recent support of China’s abusive treatment of its minority Uyghur Muslims, a million of whom are in forced ‘rehabilitation’ camps.

Mr. Hillel Neuer, Executive Director of the UN Watch, made the remark in his welcoming statement to an audience of over 700 participants in Geneva. He was speaking on behalf of the 25 international NGOs which co-sponsor the annually Geneva Summits, which are held a few days before the opening of a New Year session of the UN Human Rights Council now scheduled to start next week (24 February – 20 March 2020). Ms. Daniela Kravetz, the UN Human Rights Rapporteur for Eritrea is expected to present an oral report during this 43rd Session of the HR Council.

Geneva Summit for HR and Democracy 2

The day-long 12th Geneva Summit was addressed by pro-democracy activists, victims of abuses, scholars and other prominent speakers on a variety of topics related to human rights and democracy. Civil societies in many affected countries attend the summits annually and bring with them relatives or former prisoners and other victims of abuse. This year, Africa was represented by human rights victims and defenders from Malawi and Democratic Republic of Congo. (www.genevasummit.org).

Sadly, and as always, there was no Eritrean civil society activist or a victim of abuse from Eritrea taking the podium to testify the heartbreaking human rights situation in our country.      

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብ9 ለካቲት 2020 ናብ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እዋናዊ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብዚ መልእኽቱ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነዛ ሎሚ ጸገማ ፈኸም ዝብል ዘሎን ኣብ ዝኾነ ግዜ ክባራዕ ዝኽእልን ኤርትራን ህዝባን ህጹጽ ተገዳስነቶም ከርእዩ ጸዊዑ። እቲ መልእኽቲ ኣቦመንበር ኣተሓሒዙ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ናይ ህጹጽ ግዜ ደወል ዝድወለሉ እዩ ኢሉ

እቲ ን2ተ መዓልታት ዝተካየደ መበል 33 ጉባአ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ10 ለካቲት 2020 እዩ ዝዛዘም። እዚ መበል 33 ጉባአ ኣፍሪቃ “ድምጺ ጥይት ኣጥፊእካ፡ ንዕቤት ኣፍሪቃ ጥጡሕ ኩነታት ምፍጣር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መልእኽቱ እዚ ጭረሖ  ንኩነታት ኤርትራ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እቲ ብቐጥታ ናብ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ንፍልጠኦም  ብቅዳሕ ናብ ተሳተፍቲ እቲ ጉባአ ዝተላእከ መልእኽቲ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እውን ጠቒሱ።

  • እቲ ህይወት 100 ሺሕ ሰባት ዝጠፈአ ጸገም ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ኣይተፈትሐን
  • እቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ከቢድ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝጸንሐን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ፋሕ ኢሉ ንክሳቐ ምኽንያት ዝኾነን ኩነታት ኣይውግእ ኣይሰላም ሕጂ እውን ኣየብቅዐን።
  • ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኩነታት ሃገሮም ሕጉሳት ኣይኮኑን
  • ጉባአ ሕብረት ኣፍሪቃ እዚ ኩነታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ዝሰፈሓሉ ህብረተሰብን መብዛሕትኡ ካብቲ ህዝቢ ኣጠቓቕማ ብረት ዝኽእልን ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከስተውዕል።

እዚ መልእኽቲ እቲ ኣኼባ ንኣተገባብራ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ኣጀንዳ ክሕዞ ሓቲቱ። ብዘይካዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም ውሳነታትን ለበዋታትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡  ንተደጋጋሚ መጸዋዕታ  መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል  ኤርትራ ሕቡራት ሃገራት ንከተግብር ተጽዕኖ ክገብረሉ እውን ጸዊዑ።

In a timely message of 9 February 2020 to the African Union Summit in Addis Ababa, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), Chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP),  once more told African leaders that Eritrea and its people  deserve their most urgent attention because the country is “a smouldering fire” that can go ablaze anytime soon.

“This is an Eritrean SOS message, an alarm call to Africa”, the EPDP Chair message added.

The two-day 33rd Session of the Assembly of the AU, which is expected to wind up today, February 10, is convened under the theme of “Silencing the Guns: Creating Conducive Conditions for Africa’s Development” and the EPDP Chairman described the slogan  as  “a very much relevant to the Eritrean condition.”

Addressed to the AU Commission Chairman, Mr.  Mr. Moussa  Faki Mahamat, and copied to delegations of  African leaders attending the Summit,  the Eritrean message listed the following facts to the attention of the AU Summit:

  • That the Eritrean-Ethiopian border problem that cost nearly 100,000 lives, is NOT yet resolved;
  • That the past 20 years of no war-no peace are NOT yet over in Eritrea after having caused massive suffering to the people, nearly a third of whom are now refugees scattered all over the globe;
  • That Eritreans at home and those in exile are bitterly unhappy; and
  • That the AU Summit should guess the consequence of this situation in a highly militarized society in which a huge percentage of the population knows how to handle guns.

The Eritrean message thus asked the Summit to include in its agenda with the aim of committing itself to help the implementation of the final and binding ruling on Ethio-Eritrean border, and to make an AU pressure on the Eritrean regime to implement all the resolutions and recommendations of the UN Human Rights Council, the findings of the UN Commission of Inquiry as well as the repeated calls of UN Human Rights Rapporteurs for Eritrea.

ብዕለት 02 ለካቲት 2020 ኣብ ፍራክፎርትን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣባላት ጨንፈር ሰዲህኤ ወርሓዊ ኣኼባኦም ኣሰላሲሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ኣሻቓሊ ዝኾነ ህልዊ ኲነታት ሃገርናን ከባቢናን ዝምልከቱ ዓበይትን ኣገደስትን  ካብ ዝኮኑ፡

  • ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመንን ዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕናኖን ዝፈትሮ ዘሎ ጸገማትን፣ ንምስጋሩ ክግበር ዘለዎ ጻዕርታትን፡
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሳናቡእ/ኮሮናን ንምክልኻሉ ክግበር ዝግባኦ መባእታዊ ጥንቓቀን፡
  • ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኮነ ኣብ ህዝብና ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋታትን፡
  • ዘይእዉጅ ስምምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኢሳያስን ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ፈጢርዎ ዘሎ ናብ ውግእ ዘምርሕ ዝመስል ሻቕሎትን ሳዕብየናቱን፡
  • ናይ ኢሳያስ ውጥም ቅልቅል ዝፈጠሮ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ናይ ገለ ኢትዮጵያውያን ወስታታትን፡ ምስዋድ ኣብ ማዕከናት ዜና ናይቶም ካብቀደሙ‘ውን ነጻነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣካላትን፡
  • ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋትን ዝምድናታቶም ንምድልዳል ዝካየድ ዘሎ ጽዕርታትን ብሓደ ሽነኽ፣ ምስ ኩሎም ደገፍቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኮኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክህልዎም ዝድለ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ዝምድናን ምድግጋፍ ን ድማ ብኻልእ ሸነኽ፣ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት፣ ኣኼባ ሰፊሕን ኣገዳስን ዝርርብ ካብ ዝገብረሎም ነጥብታት ምንባሮም ይፍለጥ።

Branch Frankfurt 02.02.2020

ብዘይካዚ፣ ዕላማን ትሕዝቶን ናይቲ ንዕለት 13 ለካቲት 2020 ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርትን፣ ከምኡውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብዝተላዕለ መስርሕ  ሓባራዊ ስራሕ መሰረት ዝገበረ፣ ኣብ ዕለት 22.02.2020 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣባላት ኩለን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ጀርመን እውን ብዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ሓበሬታዊ መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ተደምዲሙ።

ብዕለት ሰንበት 26/01/2020 ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ብምሉእ ተሳትፍ አባላት ዝተሰነየ ካብ ሰዓት 11፡00 ክሳብ ሰዓት 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ስሩዕ አኼባኡ አካይዱ፡፡

አብ አኼባ ካብ ዝተላዕሉን ብዕቱብ ዝተዘተየሎምን ቀንዲ ጉዳያት፡ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር፣ ኣድላይነት ሓባራዊ ስራሓት ደምበ ተቓውሞ፣ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን  ዝብሉ ኮይኖም፡

 ድሕሪ ናይ ሌላን እንቋዕ ዳሓን መጻእኩምን መእተዊ ቃል ምስልሳ፡ ሰልፋውን ንኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብፍላይ ብኣውርኡ ድማ ኩነታት ሃገርናን ዞናን ብዝምልከት ኣድላዪ ሓበሬታታት ተመሓላሊፉን። ኣብቲ ኣኼባ ብዝወዓለ ኣባል መሪሕነት እውን እቲ ኣኼባ ደሚቑ። ቀጺሉ ኣብ ውሽጣዊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር ብምትኳር ድማ ኣብ ምቁጽጻር መዛግብትን ኣብ ኣኼባ ንዘይተረኽቡ ኣባላት ምኽንያት መትረፊኦም መብርሂ ንኣኼበኛታት ተገሊጹ።

ቀጺሉ ሰልፍና (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ካብየለዎ ጽኑዕ እምነት ተበጊሱ፣ ምስ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ‘ውን ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን (ይኣክል) ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ዘካይዶ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ምቅርራባትን ዘታትን፣ እምንቶ  ጨንፈር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንባዕሉ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣዳዕዲዑ ግዲኡ ዘበርክተሉ ዘሎ መዳይ እኳ እንተኮነ፣ ካብኡ ንላዕሊ ዝያዳ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እዚ ካብ ነዊሕ ልዕሊ ምእላይ ኢሰያስን ጉጅልኡን ክኸይድ ከምዝኽእል ንቕሓት ዝወነነ ኣባል ሰልፊ፡ ቀዳማይ ዕማም ሰልፍና ከም ኩሉ ወዲ ሃገር ምእላይ ምልካዊ ሰርዓት ኮይኑ ካልኣይ ድማ ሕጊ ኣብ ዝነገሰላ ኤርትራ ፖለቲካዊ መደባትቱ ኣብ ሃገር ተመራጺ ክኸውን ኮይኑ፡ ነዚ  እተጠቕሰ ዝተኣሳሰረ መትከልን ቅደም ተኸተል ናይ ቃልስን ንምዕዋት ብምሉእ ዓቅሙ ክምክት ግድነት ከም ዘሎዎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። እቲ ምንታይሲ ምልካዊ ሰርዓት ኣብ ዝእለየሉ ህሞት ጥራይ እዩ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፍና ኮነ ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ኤርትራ ቦታ ክህልዎ ዝኸእል።

ጨንፈርና ነዚ ሉዑላውነት ሃገርና ዝፈታትን ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት እውን ብዕምቆት ዘትዩሉን፡ ባንዴራ እና ኣምበልበልካ፣ ልኡላዊ ሃገር እየ እንዳበልካ፡ ጉዳይካ ካልኦት እንተወሲኖሞ ልዕዑላውነት ሃገርካ ከም ጉዕዞ ድፍረትን ምብርዓንን ምህላዉ ኤርትራውያን ክንግንዘብ ከምዘለና እውን ኣኼባ ኣዘኻኺሩ።

ናይ መጻኢ መደባቱ ድሕሪ ምስራዕ ጨንፈርና ናይዚ ዓመት ፈላሚ ስሩዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

           ዓወት ንቓልሲ ውጹዕ ህዝብና

            ክብርን ዝኸርን ንስውኣትና

           ኣ/መ ጨንፈር ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዓባይ ብርጣንያ

 

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብምኽንያት ብ7 ጥሪ 2020 በዓል ልደተ- ክርስቶስ፡ ብፍላይ ንመላእ ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና፡ ብሓፈሻ ከኣ ንኹሎም ነዚ ኣጋጣሚ ዘኽብርዎ ወገናት ህዝቢ ዓለም ብስም ሰዲህኤ ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ብጻይ ተስፋይ ኣብ መልእኽቱ መጻኢ ንኹልና ናይ ሰላም፡ ብልጽግናን ዓወትን ግዜ ክኾነልና ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ኣስፊሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ4 ጥሪ 2020፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩምን መእተዊን ቃልን ኣስሚዑ፡ ናይቲ ኣኼባ ዝርዝር ኣጀንዳ  ኣቕሪቡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣባላቱ ብምልኣት ዝተሳተፍሉ ኣኼባኡ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ናይ 4ተ ኣዋርሕ ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ። ኣብ ምምዛን ካብ ጸብጻባት ዘይበርሀ ንዝነበረ ኣብሪሁ፡ ሕቶታት መሊሱ ኣብ ኣድለይቲ ዝበሎም ዛዕባታት ከኣ ውሳነታት ብምውሳን ነቲ ጸብጻባት ከም ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎ። ኣብቲ ገምጋሙ ብመሰረቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ትልሚ ጽቡቕ ኣሳልጦ ከምዝተኻየደ መዚኑ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዝስረሓሉ ኣቕጣጫታት ድማ ኣመላኺቱ።

ብዘይካዚ ኣኼባ፡ ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ብሓፈሻ ብኹሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብፍላይ ከኣ ብሰዲህኤ ይግበር ንዘሎ ጻዕሪ ምስቲ ማዕባሊ ዘሎ ምንቅስቓስ ይኣክል ብምስናይ ፍሉይ ግምት ሂቡ ተመያይጥሉ። ኣብ ምይይጡ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ክዛተያ ናይ ዝመዘዘን ሽማግለታት ሰዲህኤ ስረሓት ብደቂቕ መዚኑ ኣወንታዊ ተስፋ ዘለው ደረጃ ከም ዘለዋ ተገንዚቡ፡ ኣብ መጻኢ ክኽተለኦ ዝግበኣን ዝብሎ ኣገባብ ከኣ ኣነጺሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ነቲ ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ምስዚ ኣብ ሃገርናን ከባብናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ናይ ምስናዩ  ዕማም ንክስራሕ ወሲኑ፡ ነዚ እተተግብር ኣካል ከኣ መዚዙ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ሃገርናን ናይ ቀረባን ርሑቕን ከባቢናን ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ የርእዮ ንዘሎ ዘልሓጥሓጥን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታውን፡ ከምኡ እውን ህዝብና ዘይፈልጦ ዘይግሉጽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ግዜ ወሲዱ መዚኑ። ሰዲህኤ ኣብዚ ዛዕባዚ ክሕዞ ዝግበኦ ሉኡላውነት ሃገር ናይ ምድሓን ማእዝን ርእዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ኣንጻርቲ ከቢድ መስዋእትን ነዊሕ ግዜን ዝኸፈለሉ ሉኣላውነቱ ምምላሱ ኣብ ዘጸግም ሓደጋ ንኸይወድቕ ከሎ ጋና ብትኹረት ንክከታተሎን ክቃለሶን ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ 2ይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ፡ ወፍሪ ጐስጓስ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ መጻኢ ፈስቲቫል 2020፡ ብጠቕላላ መጻኢ መደባት ኣካላት ሰዲህኤ ብዝምልከት ተመያይጡ ውሳነታት ወሲኑ፡ መጽናዕቲ ንዘድልዮም ጉዳያት ከኣ ኣካላት መዚዙ። እዚ ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፍን ደገፍትን  ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ኩለ-መዳያዊ ተወፋይነት ኣመጒሱ፡ በቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ናህሪ ንክቕጽሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውድባትን ማሕበራትን እውን ኩነታት ሃገርና ኣብ ከመይ ኣሻቓሊ ደረጃ ከም ዘሎ ተገንዚቦም፡ ናትና ኢሎም ናይ ምድሓና ሓላፍነት ንክወስድ ኣዘኻኺሩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ደቂ ሃገር

ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ:  መሪሕነቱን መላእ መሰረታቱን እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2020 ኣሰጋገረና እናበልኩ ሰላምታን   ሰናይ  ምንዮትን አመሓላልፈልኩም።

ዝሓልፈ ዓመት 2019፡ ምስ ኩሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝወረደ ምልካዊ ግፍዒ፡ ምስቲ ንኤርትራዊ ልዑላውነትን ሃገራዊ ክብርን ዝህድድ ናይ ጥልመት ወስታታት፡ ምስ ስደትን ከርተተትን ህዝብና፡ ምስቲ  ሰእነተ ቅሳነትን፡ ናይ መግብን ትምህርትን ጥሜትን፡ ከምኡውን ምስ ዘካየድናዮ ናይ መኸተ ስራሕ ሰጊርናዮ ኣሎና።   ኣብዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ እቲ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ከመይ ነበረ ከነንጸባርቕ፡ ንዝመጽእ ዓመት 2020  ከኣ ብተስፋ ከነማዕዱን ክንሰርሓሉን ግቡእና እዩ።

ነዚ ዝሓለፈ ዓመት ምልስ ኢልና ክንጥምት እንከሎና፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ንኩልና እቶም ነዚ ሓድሽ ዓመት ክንርኢ ዝበቓዕና፡ ጸጋ እዩ። እንቋዕ ኣብቅዓና።  በቲ ካልእ ሽነኽ ግን፡ ኣብ ጉዕዞና ተመሊስና ክንረኽቦ ዘይንኽእል ክሳራታት ገጢሙና እዩ። እንፈትዎም ደቅና፡ መቓልስትናን ብጾትናን፡ መሓዙትናን ፈተውትናን፡ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ኣዝማድና  ዘኸፈልና ኣሎና። ብሕማም እናተሳቐዩ፡ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጊኖም እንከለዉ፡ ብግፍዒ ኣካሎም ሰንኪሉ እንከሎ፡ ን2019 ዝሰገርዋ እውን ኣለዉና። ምስ ምሉእ ኣካሎም እንከለዉ፡ ቤተሰቦም ብዘይካ ብስእሊ ብኣካል ንክረኽቡ ዘይከኣሉ፡ ሰብኣዊ ሓርነት ዝተነፍጎም ኣብ ፍልልይ እንከለዉ ንሓዋሩ ዝተፈላለዩ እውን ኣለዉና።  መርዓን ደርዓን ውላድን ጥምቀትን ዝረኣዩ፡ ዝተሓጐሱ እውን ኣለዉና።   ኣብዚ ሃለዋትዚ  ነቶም ብህይወት 2019  ከሰግሩ ዘይከኣሉ ወገናትና፡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም። ነቶም እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ፡ እንተ ብቐረባ እንተ ብርሑቕ፡ ዝሓለፉ ወገናትና ኣፋኒና፡ ብህይወት ነዚ ክንርኢ ዝበቓዕና ድማ ጽንዓት፡ ዘይቀብጽ ተስፋ፡ ከምኡ’ውን ዛዛሚ ዓወት ይሃበና።

ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር፡

እዚ ዓመት’ዚ እውን፡  ከም’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብድሆታትን  ዕድላትን ሒዙልና ክመጽእ እዩ። ነቲ ብድሆታት ክንሰግሮ ነቲ ዕድላት ድማ ግዜ ከየጥፋእና ክንጥቀመሉ ሃገራዊ ጸዋዒት ኣሎና። ነዚ ዓመት’ዚ ዝኸውን ናይ ቃልሲ ስንቅና ክንጽዕን፡ መዓንጣና ሽጥ ኣቢልና ክንቅጽል የድልየና። ሓይልና ምልላይ የድልየና። ሓይልና ድማ ኣብ ህዝብና እዩ ዘሎ። ህዝቢ እንተነዲሩ፡ ብሓባር   ኣይምእዘዝን  ኣይግዛእን እንተኢሉ፡ መላሲ የብሉን።

ንሃገርን ዕቤታን፡ ኮታ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝህድድ ሓደ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ዘሎ።  እቲ ምልካዊ ስርዓት። ጸረ ህዝቢ ንሱ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ካልእ ጸላኢ የብላን። ኣብ ቅድሚ ምልኪ፡ ኩሎም ካልኦት ሓይልታት መሓዙት እዮም። ሃይማኖታት፡ ብሄራት ኣውራጃታት ከምኡን ጾታን ዕድመን ደቂ ሰባት፡ መላፍንቲ እምበር ተጻረርቲ ኣይኰኑን።  ምልካዊ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ከም ተጻረርትን ዘይራኸቡን ገይሩ ክርእዮም ዝፍትን።  ከምቲ ሓሰኻ ኣብ ዝመሽመሸ ኣካል ዝሃጥር፡ ምልኪ ድማ  ኣብ ሕማምን ምፍልላይን ኢዩ ዝነብር። እቲ ቀንዲ ጸገም ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት እዩ። እቲ መጀመርታ ፍታሕ ንጸገማት ኤርትራ ድማ ምልኪ ምልጋስ እዩ። እዚ ቀዳማይ ዕማም እንተተሳሊጡ ድሕሪኡ ዝመጻ ጸገማት ብእዋኑ ክፍታሕ ይከኣል’ዩ።

ሓንሳብን ንሓዋሩን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣለለና፡ እንታይነት ምልክን ግፍዕታቱን ምስ ኣነጸርና፡  ናይ ትማሊ ጸላኣቲ ናይ ሎሚ ኣዕሩኽ ክንከውን ኢና። እቶም ብረት ዓጢቖም  ንምልኪ ዘገልገሉ፡ ምስ ህዝቦም ኣንጻር ምልኪ ጠጠው ክብሉን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ክዓርዱን እዮም።  እቶም ብጉልበትን ብገንዘብን ንምልኪ ከሐይሉ ዝጸንሑ፡ ዓቕምታቶም ስሒቦም ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ከውዕልዎ እዮም። እቶም ብንኡስ ግርጭታት  ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ፍትሒ ድማ  ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ዕርቅን ስኒትን ኣውሪዶም፡ ምስ ህዝቦም  ወጊኖም ነዚ ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዓልውዎ እዮም።  ሽዑ ኤርትራ ብሰላም ናብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክትኣቱ እያ።

ኣሓትን ኣሕዋትን

እወ ኣብ 2019 ዝገጠመ ፈተነታት፡ ዘሕለፍናዮ ሽግራትን መስዋእትን ጠቒስና፡ ግንከ 2019  ረጊጽካዮ ክሕለፍ ዘይከኣል፡ ንሓይልታት ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ፍትሒን  ዘበረኸ  ኣወንታዊ ተረኽቦታት ነይርዋ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳይስ ወረ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣዝዩ ዝሰግኣላ ዓመት ነይራ ክበሃል ይከኣል። ኣወ ስርዓት ኤርትራ ንረብሓኡ ክልውጦ ዝፈተነ ናይ ኢትዮጵያ ምዕባሌታት ነይሩ። ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ትንፋስ ክረኽበሉ ዝሃቀነ ወፈራታትት ነይሩ። ግን ብቅልጡፍ ባዕሉ ንነብሱ ዘቃልዓሉ ኩነታት ድማ ተጋሂዱ። ንቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣቢዩ ኣሕመድ ንኤርትራ ንኽውክል ከፍቅድ፡ ኣፍ ልቡ ኣናሃረመ ሕንቕንቕ ክብል፡  ኣይከሰርናን እናበለ ክምድር ምስ ተራእየ፡ ኤርትራዊ ዓለም ብዓለሙ ተገልቢጥዎ እዩ። ልዑላውነት ክትንከፍ ዝረኣዩ ኤርትራውያን ሰብ ሕልና፡ ብኡ ንብኡ ምስቲ ስርዓት ዝነበሮም ዝምድና በቲኾም፡ ወዶም ጓሎም ሰብኣዮም ሰብይቶም፡ ኣብ ግዳም ወጺኦም መኪቶም’ዮም። ‘ይኣክል’ ኢሎም።  እቲ ገዛኢ ፖሊቲካዊ ቋንቋ ከኣ ‘ይኣክል’ ኮይኑ።  2019 እምበኣር እቲ ብደረጃ  መላእ ዓለም  ካብ ኣውስትራልያ ክሳብ ካናዳ ዝተፈልጠ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል” ዓሚሙ ነቲ ስርዓት ኣብ ሻቕሎት ዘእተዎ ዓመት እዩ።  ብዘይካዚ  ናይ ቲቪ ኣገልግሎት  ከምኒ ኣሰናን ኤሪሳትን ከምኡውን ኩሉ መዳያዊ ማሕበራዊ መድያ፡ ንጸጥታዊ ሓጹር ህግደፍ  በሲዑ፡ ንናይ ስለላ ትካላቱ በታቲኹ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን  ኤርትራውያን ገዛውትን  ኣትዩ፡  ድምጺ ግፉዓት ኣስሚዑ ወረ ተቓለስቲ ድማ ዘርጊሑ እዩ። መርበብ ስለላ ህግደፍ በቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም ድምጺ ግፉዓት ዘቃልሑን ዝመከቱን እውን  ተበዲሁ እዩ።  2019 ዓ.ም ኣብ ላዕሊ ብዝዘርዘርናዮም ክሳራታት በዲልናያ እንተዀና፡ እንሆ እዚ ምልክት ዓወታት ዘርኣየት ዓመት ብምዃና ብምስጋና ክንክሕሳ ግቡእና እዩ።

ብተወሳኺ፡ ዓመት 2019 ናይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ተስፋታት ዝተጋህደላ ዓመት እያ። ኣብ 2019 ሓያሎ መደባት ሓባራዊ ዕዮ ተሰላሲሉ። ብህዝባዊ መዳይ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ሓያሎ ቦታታት ይንህር ኣሎ።  ምስ’ቲ ኩሉ ዝገጥሞ ብድሆታትን ናይ ስርዓት ህግደፍ ወስታታትን፡ ጸላኢኡ ሓደ ጥራይ ምዃኑ፡ ስርሑ ድማ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ልሒሙ ህዝባዊ ናዕቢ ኣባሪዑ፡ ነዚ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ምዕላው  ምዃኑ ኣለለዩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓከዀ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 2020 ዝሰፍሐ ምንቅስቓስን ዝሰፍሐ ህዝባዊ ተሳትፎን ንምነየሉ።  

ብዘይካኡ ንውድባት ከራኽብን ሓባራዊ ዕምማት ክህንድስን ዝጽዕር ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ ከምኒ ዋዕላ ሚኒሶታን ንቕሎ ኣዴታትን ኣብዚ ዓመትዚ ተጋሂዱ ዘበርከቶ ግደ ዕዙዝ ነይሩ። ከምኡውን ናይ መጽናዕቲ ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላላየ መዳያት ብዝተፈላልዩ ኣካላት ቀሪቦም ሓያሎ ሰሚናራት፡ ሲሞፖዝዩማት ኮንፈረንሳት ተካይዶም። ፍረ 2019 ንረብሓ ውጹዓት ኤርትርውያን ነይሩ።

ብደረጃ  ፖሊቲካዊ ውድባት  ከኣ ናይ ሓድሕድ ምፍጣጥ፡ ምጽልላማትን ምርሕሓቕን  ጠጠው ኢሉ፡  ካእባዊ ይኹን ብዙሕነታዊ ዘተታትን ሓባራዊ ዕዮታትን መስርዑ ሒዙ ክቕጽል ተራእዩ። ካብ’ቲ ምርኡይ ሓባራዊ መግለጽታት ናይ ውድባት

ብዛዕባ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ብፕረዚደንት ኢሳያስ  ተወኪለ ብምባል ብወግዒ ብስም ኤርትራ ክዛረብ ምጅማሩ፤

ብዛዕባ ዕሱባት ህግደፍ ኣብ ልዒሊ  ናይ ኣሰና ቲቪ መራሒ ሓው ኣማኑኤል እያሱ  ዘውርድዎ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ፤

ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ዚ መወዳእታ እዋን ዝገጠሞም ግፍዕን ምክልባትን፤

ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዝተጋህደ ናይ ኤርትራውያን ቅትለትን መውጋእትን ነይሩ።

ፖሊቲካዊ ውድባት ከነ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ ነዚ ጉዳያት ኣመልኪቱ ሓባራዊ መግለጽታት ምውጽኡ፡ ደጊም  ፍልልያትና ኣወንዚፍና፡ ከም መላፍንቲ ንነፍስና ፈሊጥና ክንምርሽን ኢና ዘብል እዩ።  እዚ ዓወታት’ዚ ናይ 2019 ዓወታት እዩ።  ንዓኡ ዓቕምና ኣማዕቢልና ናብ 2020 ከነሰጋግሮ ድማ ትምኒትና ኣዩ።

ክቡራትን ክቡራትን

ኣብዚ መድርኽ’ዚ ነቲ  ብቐጥታ ንጉዳይና ዝጸለወ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባሌታት ከይተንከፍና ክንሓልፍ ስለ ዘይንኽእል፡ ሕጂ’ውን  ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጉዳይና ብዕቱብነት ክከታተል ናይ ዞባና ሃገራት ንልዑላውነት  ሃገርናን ሰላም ዞባናን ካብ ዝህድድ ወስታታት ክቑጠባ  ምሕጽንታና ህያው እዩ።

ንሃገራት ዞባና ብዝምልከት ድማ  ሰላመን ሰላምና ብምዃኑ ኩለን ዞባታት ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ንምነየለን፡ ኣውራ ከኣ እተን ብቐጥታ ስደተኛታትና ዘዕቁባ ዘለዋ ሃገራት፡ ብዝምልከት ህዝቢ ኢትዮጵያ  ካብ’ቲ ኣሻቓሊ  ህልዊ ሽግራቱ ወጺኡ ናብ ሰላማዊ መስርሕ ክኣቱ፤ ህዝቢ ሱዳን ድማ ነቲ  ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዘረጋገጾ ዓወት ዓቂቡ፡ ንዝኣተዎ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ከዐውት ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ።

ብውሽጣዊ ውደባዊ  ኩነታትና ንዓና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ( ሰዲህኤ)  ዓመት 2019  ዕዉት መስርሕ ሓድነት ክልተ ኤርትራውያን ውድባት፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ዘረጋገጸትልና ዓመት ምዃና ከይመስከርና ክንሓልፍ ኣይንኽእልን።  ክልተ ድሕረ ባይታታት ዝጸንሖም ውድባት፡ ኣብ መንጎኦም ብዘርኣይዎ፡ ምትእምማን፡ ምትሕልላይ፡  ንሓደ ሓባራዊ ዕላማ ምግልጋል፡ ንድሕሪት ዘይምለስ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ኣብቂዕዎም እዩ’ሞ፡ ምስ ኩለን ኣተን ንሓድነት ኰነ ንሓባራዊ ስራሕ እንብህገን  ሓይልታት ከምኡ ይፍጠረልና።  ኣባላት ሰዲህኤ ድማ  ደኺምና ከይበልኩም፡ ስንቅን ዑቕባን ጽላልን ኰይንኩም፡  እዚ ሰልፊ’ዚ፡ ከይወድቕ ዝተኸላኸልኩም፡  ድሕሪት ከይተርፍ ዝደፋእኩም፡  ናይ ህላዌኡን ቀጻልነቱን ጉልበትን ንዋትን ብምዃን  ዝተወፈኹም፡ ከምኡ’ውን እቶም ኣባላት ዘይክነስኹም ሓልዮት ዘርኣኹምናን ብጉልበትን ንዋትን ዝሓገዝኩምናን  ደረት ዘይብሉ ምስጋናና ይብጻሕኩም።

ክቡራትን ክቡራንን

2019 ኣብ ኣንዛዝመሉ  2020 ድማ ኣብ እንቅበለሉ ግዜ፡ ኣእምሮና ናብ ሓደ ኣንፈት/ ገጽ ከተኩር  ጀሚሩ ኣሎ።  2020 ናይ ተግባር ዓመት ትኹነልና፡  ብተግባር ኩሉ ዓቕምና ኣስሚርና ብመንፈስ ናይ ልዑል ምትሕብባር፡ ናብ ሓደ ኣንፈት፡ ጸረ-ምልካዊ ኣንፈት ምድፋእ የድልየና። በበቲ ንኽእሎን በበቲ ዘሎናን ዓቕምታት  ጉዳይና ንምዕዋት  ንውፈር።  ውራይና ከነዕውት፡ ክሰልጠና፡  መንፈስ ናይ  ወለድና ሕብረት የድለየና’ሎ።  መንፈስ ምትሕብባር፡ ምድግጋፍ፡ መንፈስ “ወፈራ ንማኣቶት”  ኣቦታት፡ ኣዴታት፡  መንእሰያት ኮታ ኩሉ ህዝብና ንወፈራ  2020  ንበገስ። ወፈራ ንምውዳቕ ግፍዒ ንምትካል ፍትሒ።

ብእንረኽቦ ዕድላት ንጠቐም ቅኑዕ ውሳኔታት ንውሰድ። ዕድላት ኩሉ ግዜ ኣይንረኽቦን ኢና። ውሳኔታትና ግን ኩሉ ግዜ ምሳና ኣሎ።  ቅኑዕ ውሳኔና ድማ ንእንረኽቦ ዕድላት ከጸብቐልና ይኽእል እዩ’ሞ ውሳኔና ባዕልና ንጨብጦ።  

ደሓን ኩኒ 2019  ብደሓን ምጺ 2020!!

ንመኸተ ዓመት  ሓይሊ፣ ሽግራት ንምስጋር ዓመት ጽንዓት፡ ቅኑዕ ንምስራሕ ዓመት ትብዓት ይግበረልና!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2020!

ክንዲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋይ ወ/ሚካኤል ( ደጊጋ )

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

1/1/2020