ኣሚሪካ ንሓለፍቲ ህግደፍ ቪዛ ከምዘይትህብ ዳግማይ ሓቢራ

2024-05-06 20:39:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 161 times

ካብ ናይ ዲረክተር ጀነራል ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓላፍነት ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ምስ ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዘለዎምን፡ ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድመኦም ደቆምን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዝጸንሐ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ናይ ምርካቦም መሰል እገዳ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘውጸኦ መግለጺ እዩ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021፡ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ቀጺሉ ድማ ንሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓልፊ ገንዘባዊ ጉድያት ህግደፍ ሓጎስ ገ/ህይወት ወልደኪዳንን ኣብ ዝርዝር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘይፍቀደሎም ተደለይቲ ባእታታት ከም ዘእተዎም ይዝከር።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ኣስመራ ብዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ካብ 14 ጉንበት 2024 ጀሚሩ፡ ነቲ ካብ 13 መስከረም 2017 ንደሓር ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ፡ ንኤርትራውያንን ነበርቲ ኤርትራን  ስሩዕ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣብ ዝሓበረሉ ዜና እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ እዚ ናይ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓድሽ ኣውጅ ቪዛ፡ ብመጽርቲ ኣብ መጎኦም ዝጸንሓ ናይ ነዊሕ ግዜ ምክሳስ ክቐበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ዝተፈልጠ የለን።

Last modified on Monday, 06 May 2024 22:44