EPDP News

ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን  ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር

ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን  ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር ፡ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ናብ ሓንቲ ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣራኻቢ ኦፊሰር ከም እትመዝዝ፡ “ሶንታግስ-ብሊክ/SonntagsBlick.” ምስ እተኣህለት ናይታ ሃገር ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ሓቢራ። ንሳ ከም ዝገለጸቶ ምስ ኤርትራ ብዛዓ ዝኾአ ዛዕባ ንምዝርራብ፡ ዜጋታታ ንክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ቅድመ ኩንነት እዩ።

 እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ኤርትራ ዜጋታታ ካብ ዝኾነት ሃገር ንምቕባል ብተደጋጋሚ ክትሕሰም ዝጸነሓት ሃገር ምዃና ጠቒሳ፡ ስዊዘርላንድ ድማ ሓንቲ ካብተን ንነዊሕ ግዜ ምስ ኤርትራ ዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ክዘራረባ ዝጸንሓ ሃገራት ምዃና ኣብቲ ቃለ-መጠይቓ ሓቢራ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ስዊዘርላን 260 ናይ ቕዑባ ሕቶኦም ስለ ዝተነጽገ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበኦም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሳ፡።

እታ ጸሓፊት ኣተሓሒዛ እቲ ዝምደብ ስዊዘርላንንዳዊ ኦፊሰር ቦታኡ ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ከም ዝኸውንን ከም ስሩዕ መራኺቢ ምስ ኤርትራ ኮይኑ ከም ዝሰርሕን ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ሃገር ንምስግጋር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ነቲ ስዊዘርላን ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ሒዛቶ ዘላ መስርሕ ከምዘይቅይሮ ጠቒሳ።

ዋላኳ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራውያ ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወሲኑ እንተነበረ፡ ዙሓት ኣባላት ናይቲ ፓርላማ ግና ቅድሚ ኣብኡ ምብጻሕ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ከም ዝቕበሎም ንምግባር ዝካየድ ተጽዕኖ ክቕጽል ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎም እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን ኣፍሊጣ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ውሳነ ብሓሻ ብኹሉ ሸነኻቱ፡ ብፍላይ ከኣ ብመጽር ሰብኣዊ መሰል ይጽናዕ ከም ዘሎ ተፈሊጣ።

ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ውግእ  ህጹጽ ኣኼባ ንክካየድ ወሲኑ። 

እቲ ባይቶ ነቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ሓምለ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝወሰኖ ኣኼባ ኣብ ምድላው፡ ላዕለዋይ ኣዛታይ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ኢጋድን ኣብ ምስንድኡ ዓብይ ግደ ንክህልዎም ጸዊዑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒኢ ሓምለ 2024 ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ግብጺ ኣኼባ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተበግሶ ባይቶ ሰላምንን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ።

እዚ ዞባዊ ትካል ኩሎም ሱዳናውያ ተዋሳእቲ፡ ነዚ ሓድሽ ብዘተ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ሰላምን ምምስራት ሕገመግስታዊ መንግስትን ከብጽሕ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ እማመ ክሳተፍዎ ጸዊዑ።

እቲ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝምልከት ከም ዘስፈሮ፡ ብዘይወዓል ሕደር ተኹሲ ጠጠው ኢሉ፡ ናይ ህዝቢ ሱዳን ስቓይ ዝውገደሉ ኩንነታት ንክፍጠር ከም ዝጸወዐ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናውያን ተቐናቐንቲ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ክፈጥሩን ንሰራሕተኛታት ረዲአት ናይ ድሕንነት ውሕስነት ክህቡን ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ሰላም ንሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝሕልው ፍሉይ ሓይሊ ንከስፍር ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሱዳናዊ ዶክተር መሓመድ ባብከር

ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ንክከታተል ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዶ/ር መሓመድ ባብከር ብ20 ሰነ 2024 ናብ መበል 56 ጠቕላላ ርክብ ናይቲ ባይቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ጸብጻቡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ለውጢ የለን ኢሉ፡ ዝርዝር መልክዕ ናይቲ ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘስፈረ ኣብ ብዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝርዝሩ ኣብ ኤርትራ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምድጓንን፡ ግዱድ ምስዋር ሰባት፡ ናብ ኣካላዊ ምዝመዛ ዝተሰጋገረ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና፡ ምንፍግ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ምስቓይ ዜጋታትን ምግሃስ መባእታዊ ናጽነታትን ሎሚ’ውን ኣብ ኤርትራ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጸልቲ ምህላዎ ኣዕሚቑ ገሊጹ። ንሓቅነት ናይቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዝምልከት ድማ፡ ብናቱ መንገዲን ብምክትታል ኮሚሽን ሰኣዊ መሰልን በብግዜኡ ዝግምገም ምዃኑ  ኣረጋጊጹ ኣረዲኡ።

ነቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ግህሰት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ናይ ፖለቲካ ነጠፍቲ፡ ጋዜጠኛታትን ንሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ኤርትራውያን  ድምጺ ኣብ ዲያፖራ ንምዕፋን ዘካይዶ ምንቅስቓሳት ኣቃሊዑ። ነዚ ንምትግባር ነቶም ነጠፍቲ ንምፍርራሕ፡ ኣብ ህይወቶም ስግኣት ንምፍጣር፡ ካብ ሰባት ንምንጻልን ቆንስላዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ንምግባርን ከም ዝጥቀምን እዚ ተግባራቱ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ሓያል ምዃኑን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዘተሓሳስቦ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ምስቶም ኣብኣተን ዘለዉ ኤርትራውያን ክተሓባበራ ጸዊዑ።

ሕብረተሰብ ዓለም ብጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ኤርትራ ንክግደስ ጸዊዑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ዓለም ለኻዊ ተጽዕኖ ንክሕይል ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ 2020 ዝተመዘ ባብክር ኣብዚ መበል 56 ኣኼባ እውን ንቀጻሊ ሓደ ዓመት መዝነቱ ንክሕደሰሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽበ ብሃብቶም ዘርኣይ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ካብቲ ብሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተደገፈ ንህልዊ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ብምህዳምን ጓል ነገር ብምፍጣርን ብዛዕባ ኣመጻጸኣ ናጽነት ኤርትራን ኣድላይነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትን  እዩ ተዛሪቡ።

 

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራውያን ደገፍቱ፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ንምዝካር፡ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ከይእከቡ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ብ19 ሰነ 2024 ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፡ ብድሮ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም፡ ሽምዓን ጥዋፍን ከብርሁ ኣዚዙ፡ ኣብቲ ዕለቱ ድማ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ገዛ ክጸሙን ሰዓት ሓደ ድማ ንስዉኣት ብጽሞና ክዝክሩ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ኣብ ዝበሃል ሰፋሕቲ ኣዳራሻት፡  ኣቐዲሙ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝረኽበሉ መእተዊ ትኬታት ኣዳልዩ ብምሻጥ፡ ንህግደፍ ዘመጉሱ መደረታት ብምስማዕ እዩ ዘኽብሮ ነይሩ።

ናይዚ ዓመትዚ ብኽንድዚ ብዝተሓተ ደረጃ ምዝካሩ፡ ምልክት ስግኣቱ ኮይኑ፡ እዚ ስግኣቱ ካብ ምንታይ ከም ዝነቅል ዘዘራርብ ዘሎ እዩ። ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን ናይ ዘሎ ምትፍናን ሓርፋፍ ዝምድናን ውጽኢት’ዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ቅሉዕ ኣኼባታት ምክያዱ፡  እቲ ፍልልይ ምስፍሑ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ጉንበት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እውን፡ እቲ ኤምባሲ ብኣዝዩ ጸቢብ ደረጃ እምበር፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ደገፍቱ ብዘሳትፍ፡  ኣብ ኣዳራሽ ከኽብሮ ዘይምኽኣሉ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዘኽፍሎ ዋጋ ቲኬት፡ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዘኽፍሎ ዝያዳ ክሳብ ሚእቲ ሺሕ ብር ከም ዘብጸሖን ብሰንክዚ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መዲያታት ሓቢሮም።

ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ሶፍያ ተስፋምርያም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ነቲ ንሳ እትውክሎ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ በደላት ሓቢኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳት ዘይሕጋዊ ከተምስሎ ተሰሚዓ።

ካብቶም ዕሉላት መሳርሒ ሕግደፍ ምዃና ዝንገረላ ሶፍያ፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባን ሰብኣውነትን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን መዳርግቲ ዘየብሉ ገበናት ሸፊና፡ እቲ ቅድም መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘንበሮ ደሓር ድማ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝደገፎ እገዳ ንናይ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ሕሳብ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ክትብሎ ፈቲና።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ወዮ እቲ ዝወከለቶ ኣካል በብግዜኡ ዝጥሕሶ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ዘንጊዓ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ፡ ሕግታት ንግድን ፖሊሲ ዝምድናን ዝጠሓሰ እዩ ኢላቶ።

ሶፊያ ቀጺላ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን ቁጠባዊ ትካላትን ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ከም ዘሕደሶ ተኣሚና፡ ዕላምኡ ከኣ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ፡ ናይ ከባቢና ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ  ዝዓለመ እዩ ኢላ ገሊጻቶ። ኣብዚ እቲ ዘገርም እቲ ዞባዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ ዘይቅዱስ ዝምድናታት ክፈጥር ከይደቀሰ ዝሓድር ህግደፍ ምዃኑ ክትሓብእ ምፍታና እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ዝሃቦ ምስክርነት ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክውሰን ዝጸንሐ እገዳታት፡ ብመንጽር ድሌት ናይቶም ዝውስኑ ኣካላት እምበር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላትን ገበናትን ህግደፍ ክንድቲ ዝድለ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ከዛርብ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ካብ ማሕበራዊ መድያ፡ ዝተወስደ፡  ሰማንታ ፖወር፡ ኣካያዲት፡ ዩ ኤስ ኣይድ/(USAID

ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ኣብታ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቓ ዘላ ሱዳን  ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ልዕሊ 315 ሚልዮ ዶላር መዲባ ከም ዘላ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ላዕለወይቲ በዓልቲ መዚ ኣፍሊጣ።

ኣመሓዳሪት  ትካል ዓለምለከ ልምዓት ኣሜሪካ፡ ሳማንታ ፖወር፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ረዲአት ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍደገ ሞት ናይ ዘለዉ ግዳያት ህይወት ምድሓን ዝዓለመ እዩ።

ሳንማታ ፖወር ከም ዝበለቶ’ እኹል ረዲአት መግቢ ዝኽዘነሉ  እኹል ማእከላት ዘይምህላው፡ ድሕሪቲ ታሪኻዊ ዓጸቦ ዘሎ ሓደገኛ ዕንቅፋት እዩ። እዚ ኰነታት ካብቲ ቅድሚ ኩሉ ክፍታሕ ዝግበኦ ምዃኡ’ውን ኣብቲ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሳ። ህዝቢ ሱዳን ከባቢ 25 ሚልዮን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብኡ ኣስታት 8 ሚልዮን ካብ ሃገር ምውጽኡ ተመዛቢሉ’ሎ። 

እዚ ብኣሜሪካ ዝልገስ ረዲአት፡ ህልቂት ህይወት ሱዳናውያን ኣብ ምድሓን ዝለዓለ ግደ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሕድሕድ  ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ምግሃድ ሰላማዊ መፍትሒ ትብዓትን ተወፋይነትን ከርእዩ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ሳማንታ ፖወር ጸዊዐን።

እቲ ኣሜሪካዊ ዓለምለኸ ትካል ረዲአት ከም ዝገለጾ፡ ካብቲ ተዋግእቲ ወገናት ዝሓዝዎ ቦታታት ካብ ናይቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ዝቆጻጸሮ ከተሰጋግር ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይካዚ ናብ ሱዳን ኣብ ዘእቱ ዓለምለኻዊ ዶባት እውን ጸገም ኣሎ። ብመንጽርዚ ብቻድ ኣቢልካ ናብ ሱዳን ዘእቱ ቦታ ህይወት ሚልዮናት ጽጉማት ሰለ ዘድሕን ምኽፋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ተቐናቐንቲ ዘካይድዎ ዕንቅፋት፡ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዓጸቦ ቀንዲ ጠንቂ እዩ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣሜሪካ ናይተን ካለኦት ትካላት ረዲአት ቀጻልነት ከይቋረጽ ክትጽዕር እያ። በዚ ድማ ህይወት ንምድሓን ዝወሃብ ሓቀዝ ቀጻሊ ምግባር ከም ዝከኣል መልእኽቲ ኣሜሪካ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ ዩ ኤስ ኣይድ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ብህጹጽ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ሓደኛ ኩነታት ንምፍታሕ ናብ መኣዲ ዘተ  ንክምለሱን ጸዊዑ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምትኒቱ እገልጽ።

እዚ ኣብ 2024 እንርከቦ ዘሎ በዓል፡ ካብ ምልካዊ ግፍዒ ኣገላጊሉ: ሰላም እነስተማቕረሉ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝስፍነሉን ስደትን ምክልባትን ኤርትራውያን  ዝሓጽረሉ ክኸውን ንምነ።

ንኹሎም እቶም  ነዚ በዓል ዘኽብሩን ናይ ሓጅ ጉዕዞ ብምክያድ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕማማት ከማልኡ ዝበቕዑን ኣመንቲ ምስልምና ከኣ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኩም መልእኽቲ አመሓላልፈሎም።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

በሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ፡ ኢጎር ሞዝጎ

ኤርትራ ናይ ምዕራብ ሓይሊ ንምምጥጣን፡ ሩሲያ ኣብ ኣፍሪቃ ክትሁ ከም እትደሊ ኣምበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ታስ/TASS፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ። ንሱ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ኤርትራ፡ ሩሲያ ጸጥታን ሰላምን ፍሪቃ ንክተመሓድር  ክትጽውዕን ከተዕግብን  ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኤርትራ 1,200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪን ክንድኡ ዝኸውን ገማግም ደሴታትን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቃለ መጠይቑ ጠቒሱ።

እቲ ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ነቲ ምዕራባውያን በይኖም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር የመን ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ከምዘይትድግፎ ብምጥቃስ፡ ብኣንጻሩ ንምምጻእ መራኽብ ውግእ ሩሲያ ናብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩሲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝተኸተመ ስምምዕን ብጽቡቕ ከም እትቕበሎ ኣስሚሩሉ። ኣብዚ ቃለ መጥይቑ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ስምምዕ ክረኽቦ  ዝኽእል ጠቕሚ ኣየንጸባረቐን። 

ኢስያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ኣብ መበል 33 ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስመዖ ቃል ነዚ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ድሕሪ ካብ ደቡብ ኮርያ ምምላሱ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ግና፡ ሓቀኛ ግብሩ ሓቢኡ፡ ኣፍሪቃውያን ንካለኦት ናይ ርሑቕ ሓይልታት ከይተጸበና ጉዳና ንግበር ክብል’ዩ ፈቲኑ። ቃልብቓል ከኣ፡ “  ንሕና ንኻልኦት ክንሓሚን ክንራገምን ክንነብር ኣይኮንናን። ብኸምኡ ገይርካ ዝፍታሕ ሽግር የለን። ዕዮ ገዛና ንግበር። ኣረዳድኣና ነስምሮን ነቀራርቦን።” ብዝብል ነቲ ናብ ርሑቕ ዝጥምት ኣካይዳኡ ክሽፍኖ ፈቲኑ።

ኣምበሳደር ነበር ኣደም ዑስማን

ኣብ ስዊዘርላንድ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ተመዲቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ ክሳብ ሎሚኳ ኩነታቱ ከዘራርብ እንተጸንሐ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ብወግዒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ዝግደስ፡ ጋዜጠኛን ደራስን ማርቲን ፕላውት፡ ነዚ ብዝምልከት ብ9 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ንኣደም ዑስማን ተኪኡ ዝተመደበ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣደም  ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ ነቲ ተግባሩ “ሃገራዊ ክድዓት” ከም ዝበሎ ኣረጋጊጹ።

ኣደም ዑመር ብ2019 ናብ ኣምበሳደር ኮይኑ ክምደብ እንከሎ፡ ዝለዓለ ጽንዓትን ብቕዓት ካብ ዝነበሮም ኣንበሳደራት ተባሂሉ ዝተመርጸ ምንባሩ ዝጣቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብመጀመርያ ብ2016 ናብ ጀነቫ ከም ኣባል ናይቲ ኤምባሲ ክምደብ እንከሎ’ውን፡ “መንእሰይ ዲፕሎማት” ብዝብል ብዝነበሮ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ብቕዓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ክስታት ኣንጻርቲ ህግደፍ ልዑል ግደ ዝነበሮ እዩ። ኣደም ንህግደፍ ከም ኣንበሳደር ኣብ ፈደረሽን ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እውን ወኪል ዝነበረ እዩ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ ዝፍለጣ ሃገራት ክነሳ፡ ኣምበሳደ ኣደም ኣንጻርቲ ሓቀኛ ጸብጻባት፡ ንኹሉ ክስታት ብምቅዋም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል የለን ብዝብል ሓቂ ብምሽፋን ዝፍለጥ ኣፈኛ ህግደፍ እዩ ነይሩ።

.እቲ ሓደሽ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ መንግስቲ ነጺጉ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ ኢሉ፡ ነቲ ተግባር ብቑጠዓ ክድዓት እዩ ብዝብል ምግላጹ፡ ኣብቲ ስርዓት ንዘሕደሮ ሕርቃን ከም ዘንጸባረቐ  ማርቲን ፕላውት ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ባንክ ዓለም ናይ 2023 ናይ ወደበት ኣፈጻጽማ ብቕዓት መስርዕ ከውጽእ እንከሎ 405 ወደባት ኣብ ዘወዳደረሉ፡ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣየእተወንን። “ኮንተይነር ፖርት ፐርፎርማንስ ኢንደክስ/CONTAINER PORT PERFORMANCE IDEX”: ኣብ ትሕቲ ዝብል መዕቀኒ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቲ መምዘንታት፡ ናይ ካርጎ መራኽብ ብቕዓት፡ ኮንተይነራት ንምጽዓንን ንምርጋፍን ዝወስዶ ግዜን ዝኣመሰሉን ከም ዝርከቦ ተፈሊጡ።

ባንክ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ሚዛን ወደብ ሶማሊላንድ በርበራ ኣብ መበል 106 ሰሪዑ ካብ ወደባት ትሕቲ ሳራ ቀዳመይቲ ኣስፊሩዋ። ኬንያዊት ውደብ ሞምባሳ መበል 328 ክትስራዕ እንከላ፡ ወደብ ጅቡትን ፖርት ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 379ን 388ን ተሰሪዐን።

ኣብቲ ናይ ውደባት ኣሰራርዓ ወደባት ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ኤስያ፡ ካብተን ቀዳሞት ዕስራ ብቑዓት 13 ኢድ ወሲደን። ጅቡቲ ኣብ ናይ 2022 ጸብጻብ ኣብ መበል 29 ጸኒሓ ከተብቅዕ  ኣብዚ ናይ 2023 ድማ ብ350 ደረጃ ነኪያ ናብ መበል 379 ብምውራዳ ኣንጻርቲ ጸብጻብ ሓያል ተቓውሞ ኣስሚዓ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ጅቡቲ ኣተሓሒዞም ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓድሽ ነገር ኣብ ዘየለ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ጸብጻብ ምቕራቡ ቅቡል ኣይኮነን ኢለምዎ።