ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ መፋርቕ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበት ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። መሬት ሕርሻ ኤርትራ መንዚዑ፡ ጉልበቶም መዝሚዙን ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።
ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ምሕዝነት ስዕረት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።
ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ፈረሰ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ ነይሩ።
ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።
ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ ኣየቋረጸን።
እቲ ብኸምዚ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል ባህርያዊ ዝኸውን።
ባሕቲ መስከረም እዚ ን63 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን እዩ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ሓደራ ክርከብ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ዝተባህሎ ስራሕ ክንዓመም ይግበኦ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣብ ዝኾነሉ፡ ግደ መንእሰይ ወሳኒ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መንእሰይ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተገንዚቡን ብሓባር ዝቃለሰሉ ኩነታት ምፍጣር መተካእታ የብሉን።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ባሕቲ መስከረም 2024
ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ኣብ ዝነበርሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝለዓለ ግደ ዝጻወቱ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፈሶር እንድርያስ እሸቴ፡ ብ29 ነሃሰ 2024 ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልዩ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕሮፈሶር እንድርያስ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ ንማሕበረሰብ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ክገልጹ እንከለዉ፡ “እዚኣቶም ናብዚ ዝመጽሉ ምኽንያት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ፡ካብቶም ንማህደረ ትምህርቲ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ተመሃሮ ብዝተፈልየ ክረኣዩ ይግበኦም” ከም ዝበሉ ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ይምስክሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ -ሰውራዊ ባይቶ ብ1994፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኢህወደግን ዝነበረ ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዕ መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተኣስሩ፡ ናብ ህግደፍ ንኸይርከቡ ዕዙዝ ግደ ዝተጻወቱ እዮም። ፕሮፈሰር እንድርያስ እሸቴ ኣብ ርእሲዚ እቶም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ካብቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ቦታት ተኣኪቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝዕቆቡ ኣብ ምግባር ሓጊዞም። ብዘይካዚ እቶም ዘይተኣስሩ ኣባላት ሰውራዊ ብዛዕባቶም እሱራት ብጾቶም ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ኩነታት ከም ዘጣጥሑ ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ዝምስክርዎ እዩ።
ፕሮፈሰር እንድርያስ፡ ቅድም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ደሓር ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዊልያስም ኮለጅ ላዕለውይ ደረጃ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ፡ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም እዮም። እቲ ሎሚ ኢትዮጵያ ትምረሓሉ ዘላ ሕገመንግስቲ ክጸድቕ እንከሎ ከኣ ኣባል ኮሚሽን ኮይኖም ከም ዝሰርሑን ድሕሪ ካብ ፕረሲደንትነት ዩኒቨርሲቲ ምልቃቖም ብመዓርግ ሚኒስተር ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከም ዝነበሩን ታሪኾም ህይወቶም የመልክት።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጋዜጠኛ ኤሪሳት ከራር ህያቡ፡ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ነጸረኣብ ኣስመላሽ 36፡23 ደቓይቕ ዝወሰደ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ነቲ ቃለ መጥይቕ ብጽሞና ሰሚዕና ተረዲእናዮ እውን። መንቀሊ ቃለ መጠይቑ ምምዛን ናይቲ ገብረ ባህዱራይ ብዝተባህለ ውልቀሰ-ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ ዝተባህለ “መንግስቲ ኣብ ወጻኢ” ዝብል እዩ።
ጋዜጠኛ ከራር ህያቡ ነቲ ተመስሪቱ ዝበሎ መንግስቲ ኮሓሒሉ ከቕርቦ እንከሎ፡ ኣፉ መሊኡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ ዝበሎ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ”፡ ክሳብ 8 ዝኾኑ ውድባት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ትካል ምዃኑ ጠቒሱ ሓደ ካብኣቶም ድማ EPDP (ሰዲህኤ) ምዃኑ ደጋጊሙ ክጠቕሶ ሰሚዕና ኣስደሚሙና። ሓው ነጸረኣብ ኣስመላሽ፡ ኣብቲ መሰረተ-ሓሳብ ናይቲ ዝተላዕለ ናይ ሓላሞ ዛዕባ ዝሃቦ መልሲ ቅኑዕ፡ ወድዓውን ንህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ዝምጥንን ስለ ዝኾነን መርገጽ ሰዲህኤ ኣብ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ካብኡ ስለ ዘይፍለን ንዓኡ ካብ ምንኣድ ሓሊፍና ናብ ዝርዝር ክንኣትው ኣይንደልን። እንተቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣካሉ ነይሩ ዝብል ግና መስደመም ስለ ዝኾነ ብሓጺሩ “ግጉይ ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላጥ ንደምበ ተቃውሞ ዘይምትእምማን ዝተማህዘ ጻዕዳ ሓሶት” ስለዝነዃኑ፡ ሰማዒ ክርድኦን ዓገብ ክብሎ ዘለዎ ምዃኑን ነፍልጥ። በዚ ኣጋጣሚ ልኡኻት 03 ዝፍንውዎ ጸለመ ምኣኸለና ነይሩ።
ናይቶም ኣብ ሃለውለው ኣትዮም ዘለዉ ውልቀ ሰባትሲ ደሓን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብሓቂ ብኣፍልጥጦኡ ዝተኻየደ እንተኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማ ንክስራሕ ምትሕብባሩ ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘየብሉ ምዃኑ ስለ ዘመልክት ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ጋዜጠኛ ኤሪሳት ከራር ህያቡ፡ ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ተመስሪቱ ዝበሎ “መንግስቲ ኣብ ወጻኢ” ደጋፊ ምዃኑን ነቶም ተዋሳእቲ “ኣመስግኑለይ” ምባሉን ንዓኡ ይምልከት። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድራሻ ኣፍልጦ ዘለዎን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቱ ቃለ-መጣይቓት ዘካየደ ክነሱ፡ ነቲ ሰልፊ ከይተወከሰ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራት ትሕክኽ” ዝበሃል “ወረ ተረኽበ” ኢሉ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃረምረም ምእታዉ ዘሕዝንን ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ዘፍኩስን እዩ። ነቲ ወኪልዎ ዘሎ ትካል ኤሪሳት እውን ተኣማንነት ንኸየጥሪ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቆ እዩ።
ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስያዊ ምዕባለን ንቃለስ!
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2024 ንዝሰፍሐ ከባቢ ቅርኒ ኣፍሪቃ 122 ሚልዮን ኤውሮ ተወሳኺ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ከም ዝመደበ ብ27 ነሃሰ 2024 ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት ነዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ክምድብ ዝተገደደ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ውግኣትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘስዓበ ጸገማት ደርቅን ውሕጅን ይውስኽ ስለ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ ሕብረት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዝያዳ ንጸገም ዝተቓልዑ ህዝብታትን ከባብን ብፍላይ ድማ ጥሜት ዝኣመሰሉ ሰብእዊ ጸገማት ዝተራእየሎም ኣየኖት ምዃኖም ብምድህሳስ፡ ዝተበጽሐ ውሳነ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብቲ ዝርዝር ጸገማት ጉዳይ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ብሰንክዚ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማማትን እውን ኣብ ግምት ዝኣተዉ እዮም። ኣብቲ ኣመዳድባ ገንዘብ ክዝርዝር እንከሎ፡ 42 ሚልዮንኤውሮ ንኢትዮጵያ፡ 40 ሚልዮን ኤውሮ ንሶማሊያ 40 ሚልዮን ኤውሮ ድማ ንደቡብ ሱዳን ብዝብል ተዘርዚሩ ቀሪቡ።
ኣብዚ ዓመት ብሕብረት ኤውሮጳ ንዝሰፍሐ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመደበ ገንዘብ፡ ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ሱዳን ብፍሉይ ዝተዋህበ 56 ሚልዮን ኤውሮ ከይወሰኽካ፡ 421 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝበጽሐ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ተወሳኺ ሰብኣዊ በጀት ክምድብ ካብ ዘገደድዎ ህልዊ ቅልውላው ሱዳን ክኸውን እንከሎ፡ በብኸባቢኡ ዝፍጠር ዘሎ ውሕጅን ዕልቕልቕን እውን ካልእ ምኽንያት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ፖርትሱዳን፡ ሓጽቢ ፈሪሱ ብሰንኩ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ነቲ ኩነታት ንምክትታል ዝተመስረተ ናይ ሓደጋ ጉጅለ፡ ብደርዘን ዝግመቱ ሰባት በቲ ሓደጋ ደሃዮም ከም ዝጠፈአን ፖርትሱዳን ሕጽረት ዝስተማይ ከየጋጥማ ተሰጊኡ ከም ዘሎን ሓቢሩ። ሓጽቢ ኣርባት ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ከም ዝፈረሰን ከም ሳዕቤኑ ሓያል ውሕጅን ጭቃን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘለዋ ዓድታት ከም ዝፈሰሰን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ 15 ዓድታት በቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ተሃስያን ካለኦት 30 ዓድታት ድማ ብኸፊል ከም ዝተጠቕዓ ተቒሱ።
ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ምምሕዳር ግዝኣት ቀይሕ ባሕሪ ብወገኑ፡ ምስቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዝተኸስተ ጸገም ጥዕና፡ 7 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኻልእ ገጽ ናይቲ ዝፈረሰ ሓጽቢ ድማ 100 ዝኾኑ ስድራቤታት ተዓጊቶም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ጠቕላላ ቁጽሪ ምዉታት ክሳብ 132 ዝበጽሕ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ እንተኾነ ናይቲ ግዝኣት ምምሕዳር ብዛዕባ ናይ ዝሞቱን ዝተሃስዩን ሰባት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይውጸአ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ናይቲ ምምሕዳር ዳይረክተር ጥዕና ሰይድ ኣህላም ከም ሳዕቤን ምፍራስ ናይቲ ሓጽቢ ውጸኣት፡ ኮለራን ካልእ ሕማማትን ከይላባዕ ከም ዝሰግኡ ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ፍሪቂ ሚልዮን ካብ ነባሪ ከተማ ፖርትሱዳን ዝስተ ማይ ከይስእን ስግኣቶም ጠቒሶም።
ፖርት ሱዳን እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል መንግስቲ ሱዳን ከም ማእከል መሪጽዋ ዘሎ ወደባዊት ከተማ እያ።
መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣደም ኣርተዓ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ኣርተዓ ብ1958 ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተወሊዱ። ነታ ኣብ ኣቑርደት ብሰራዊት ጸላኢ ጨፍጫፍ ዝተፈጽመላ “ጸላም ሰንበት” እትበሃል ህልቂት ብኣካል ርእዩ፡ ነቲ ኩነታት ክጸሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ስሩዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝኾነ ሓጺር ታሪኹ ይሕብር።
ኣርተዓ በቲ ዝነበሮ ትግሃት ቆላሕታ ስለ ዝረኸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገር ሶርያ ብዛዕባ ፖለቲካውን ንቓባውን ትምህርቲ ዝወሰዱ ካድራት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ። ብዝነበሮ ትግሃትን ንቕሓትን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ምቅላሱ፡ ቅድም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ኣባል መሪሕነት ውድብ ተመሪጹ ብፍላይ ኣብ 2008 ዝተኻየደ ጉባኤ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ነይሩ፡ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ ብጽንዓቱን ናይ ምልዕዓል ብቕዓቱን ዝልለ እዩ ዝነበረ ።
ኣቦ 5 ደቂ ዝነበረ ኣርተዓ፡ ድሕሪ ምሕማሙ ቅድም ኣብ ሱዳን ደሓር ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ብቤተሰቡን መቓልስቱን ክእለን ክሕገዝን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ እዩ ብ24 ነሃሰ 2024 ወጋሕታ ዓሪፉ።
ኣርተዓውን እነሆ ከምቶም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ብጾት፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገሩ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበ ስዉእ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ እናገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ብጻይና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ኣኻእሎን ይሃቦም ይሃበና ይብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ
25 ነሃሰ 2024
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ነሃሰ 2024 ካለኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ቀጺሉ ኣብ ዘስመዖ መእተዊ ቃል ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ብፍላይ ከኣ፡ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምምስራት ዝተገብረ ጻዕሪን፡ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ መጻኢ ዝያዳ ንክሰፍሕ ዘለዎ ተስፋን ጠቒሱ። ኣብ መግለጺኡ እዚ ጽላል ዝሰፍሓሉን ዝሕይለሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሰዲህኤ ከም ሓደ ኣካል ፖሓኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ካብኡ ዝድለ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ውጽኢት ዋዕላ ፖሓኤ ዝተገልጸሉ ፈስቲቫል ብምጥቃስ ንኹሎም እቲ መደባት ዘዕወቱን ዝተሳተፉን ኣካላት ኣመስጊኑ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ቀጺሉ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ኣጀንዳ መሰረት፡ ኣብ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ በብሓደ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጥ ኣብተን ኣብያተ-ጽሕፈት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብደቂቕ ብምምዛን እቲ ኣውንታ ዝያዳ ዝዓብየሉ ሕጽረታት ድማ ዝእረምሉ ኣሰራርሓሃ ስኢሉ። ቀጺሉ ብኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበ ጸብጻባት ድማ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፈጻሚ ሽማግለ ብደረጃ ባይቶ ክረኣዩ ንዝተመሓላልፉ ሓድሓደ ፍሉያት ሰልፋዊ ጉዳያት ወጊኑ። ዝያዳ ዕምቆትን መጽናዕትን የድልዮም ዝበሎም ጉዳያት ንምጽፋፍ ከኣ ንፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ ኮነ፡ ዕላማታት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳትፈኦምን ተወፋይነቶምን ከሕይልዎ ጸዊዑ። ብዘይካዚ ነቲ ኤርትራውያን በብኩርናዑ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኩሎም በሃግቲ ሰላም ዲሞክራሲን ዕቤትን ኤርትራውያን ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ምዕዋት መደባት ሰዲህኤን ፖሓኤን እጃሞም ከበርክቱ ተማሕጺኑ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ካብ ስድራቤቱ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብምጥቃ ኣፍሊጣ።
ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ብ1945 ተወሊዱ፡ ብ1972 ድማ ላይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲኣስ ኣበባን ኣሜሪካን ምስ ፈጸመ፡ ብ1975 ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተሰለፈ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር። ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ብ2018 “ሃገራይ ኤርትራ” እትብል ክልተ ክፋላት ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፉ ንኢሳያስን ግጉይ ምምሕዳሩን ዘቃለዐ እዩ።
ኣብ ርእሲዚ ካብ ማእከል ኣስመራ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ዘርጊሑ። ኣብቲ መልእኽቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ጉጅለ ተቓሊሱ ለውጢ ንከምጽእ ብትሪ ጸዊዑ። ንኢሳያስ ከኣ ንኹሉቲ ዝወስዶ ኢደወነናዊ ስጉምትታትን ዘይተጸንዐ ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ኣቋሪጹ፡ ኣኼባ ናይቶም ብህይወት ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ከካይድን ካልእ ምትዕርራያት ክገብርን ብትሪ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ መንእሰይ ኤርትራ ከም ዝሰሃሎ ዘጠንቅቕ ብድምጹ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ዝፍለጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳያስ ትብዓትን ድልውነትን እንተልይዎ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ክካተዖ ቅሩብ ከም ዝነበረ እውን ጸዊዕዎ። መልሲ ኢሳያስ ግና ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ስለ ዝነበረ እነሆ ብርሃነ ኣብቲ ዝተዳጐኖ ዓሪፉ።
ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ወገን ብ15 ነሃሰ 2024 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ “ሓወልቲ ሰማእታት” መበል 14 ጉባአ ናይቲ ውድብ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝምራሕ ካብቶም ብህይወት ዘለዉ 45 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ውድብ 24 ኣባላትን ከምኡ’ውን ኣባላት ማእከላይ ኮሚሽን ምቁጽጻር ናይቲ ውድብ ዝርከብዎ ወገን ኣብቲ ጉባአ ከምዘይሳተፍ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉባእ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ኣካል መስርሕ ጉባአ ብምቕጻል፡ ድሮ እቶም ኣብቲ ጉባአ ዘይተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝወረዱ ብምጥቃስ፡ ብስም ህወሓት ናይ ምንቅስቓስ ሕጋውነት ከምዘይብሎም ከም ዝወሰነ ብናይቲ ጉባአ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ “መበል 14 ጉባአ ህወሓት ወሲንዎ” ዝተባህለ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ውሳነ ብምቅዋም ብ18 ነሃሰ 2024 ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ እቶም ካብቲ ጉባአ ዝበኾሩ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚሽን ምቁጽጻርን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተጸውዑ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቶ ጌታቸው ኣብዚ ኣኼባ ንተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ገሊጹ፡ ነቲ ብዶር ደብረጼን ዝምራሕ “ኣኼባ” ዝበሎ ጉባአ፡ ብዘይካቲ ብብሄራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ “ሕጋዊ ዘይኮነ” ዝተባህሎ፡ ብመንጽርቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መስርሕ ምድላው እውን ሕጋዊ ኣይኮነን ኢልዎ። ብዘይካዚ እቲ ጉባአ ብዘይካ ዝተወሰኑ ኣባላት መሪሕነት ምውራድን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከፍርስ ምድላይን ካልእ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕላማ የብሉን ኢልዎ።
ናይ ክልቲኦም ወገናት ጭረሖ ከኣ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንምድሓን” እዩ ዝብል። እዚ በበይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ መድረኻት ትሕዝቶ መልእኽቱ ብዘየገድስ፡ እቲ ውድብ ምክፍፋሉ ዘርኢ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ሚዛን እዩ። ኣብዚ እቲ ወጥሪ ዝገደሉ ዘሎ ኩነታት ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ከምዘይውግን ይገልጽ ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መጀመርያ መበል 14 ጉባአ ንከይካየድ ከጠንቅቕ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ብኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ኣድያም ተፈራ፡ ዝቐረበ መኽፈቲ ቃል
Friday, 16 August 2024 00:07 Written by ኣድያም ተፈራዝኸበርካ ኣቶ ገርዝግሄር ተወልደ ፦ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ
ዝክበርካ ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ ፦ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፥
ዝኽበርካ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ፦ ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማስን መጽናዕትን፥
ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት ተወክልቲ ዋዕላ
ዝኸበርኩም ኣባላት ሚድያ
ብስመይን ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ እንቋዕ ብዳሓን መጽክን/መጽኩም ።
ኣብ'ዚ ክቡር ኣጋጣሚ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ ክንከፍት ከሎና፡ ንባዕሉ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ እናስመርኩ፡ ደጊመ እንቋዕ ናብ'ዚ መድረኽ በጻሕና እናበልኩ፡ ብስም ኣስናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ሰላምታይ አቕርብ።
ብ17 ለካቲት 2024 ላዕላዋይ ኣካል ፖሓኤን ኣስናዳት ሽማግለን ተራኺቦም፡ ኣብቲ ኣኼባ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝቐረበ ቃል፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፖሓኤ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተገሊጹ። ድሕሪኡ ናይ ሰለስቲኡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ምልላይ ተገሩን ናይ ስርሕ መምርሕታት ተዋህቡን። ቀጺሉ ብመሰረት ውሳነ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፡ ዝተዋህባ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ብ24 የካቲት 2024 ቦዂሪ ኣኼባኣ ኣካይዳ።
ኣብዚ ኣኼባ ኣደ መንበር፣ ምክትል ኣደ መንበርን ዋና ጸሓፍን ተመሪጾም። ብ2 መጋቢት 2024 ንኣሰራርሓ ብዝጥዕም ንነብሳ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ። እተን ዝቖማ ንኡሳን ሽማግለታት ናይ ሰነዳት፡ ናይ ቀረብ/ሎጅስቲክን፣ ናይ ዜናን ተሳተፍቲ ኣባላት ዋዕላን እየን።
እዘን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ብዘይካቶም 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ካለኦት ኣባላት ወሲኻ ስረሓተን ጀሚረን። ነዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ዝተዋህባ ዓበይቲ ዕማማት፡
- ንድፊ ሰነዳት ኣማዓራሪኻ ናብ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምይይጥ ምቕራብን ኣብ መወዳእታ እቲ ንድፊ ናብ ዋዕላ ከም ዝቐርብ ምግባር፡
- ንዋዕላ ዝምልከት ፋይናንስያዊ ቀረብ ምክታታልን፡ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ምጥጣሕን።
- ናይ ሓባር ስምምዕ ዋዕላ ብኣካልን ብዙም ክግበር ሰለ ዝኾነ መሳለጥያ ዝኸውን መሳርሒ ምቅራብን ካልእን ነይሩ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፡ ንምዕዋት ብተወፋይነት ኣብ ዝተጓዕዘቶ መስርሕ ብዘይካቲ ቀጻሊ ዘይስሩዕ ርክባት፡ 9 ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባታት ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼባታታ፡ ሓጸርቲ መደባት እንዳሰርዐትን፡ ኣተገባብረኦም እንዳገምገመት ክትሰርሕ ጸኒሓ። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥማ ጸገማትን ሕጽረታትን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጣ ባዕላ እንዳፈተሐት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣገዳሲ ምውኽኻሳት እናገበረት እያ ስራሓታ ከተሰላስል ጸኒሓ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ጀርመን ብኣካል ንዝካየድ ዋዕላ ቦታ ምድላውን ከምኡ ድማ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኣውስትራልያን ሰሜን ኣመሪካን ብዙም ንምስታፍ ብዝገበረቶ ጻዕሪ በዚ ኩነታት ክንጋባእ በቒዕና ኣለና። ጠቕላላ ተወክልቲ ዋዕላ 60 ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ኣዳራሽ 31 ተሳተፍቲ ብኣካል ተርኺብና ኣለና፣ ብዙም 24 ይስተፋ/ ይሳተፉ ኣለዋ/ ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብዚ ዋዕላ ብመሰረት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ብርቱ ጻዕሪ፡ እቲ ዘድለ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከም ዝተማለአ ከነበስር ንፈቱ።
ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ኣባላት ዋዕላ
ናይ ሓባር መቃልሲ ጽላል ምህላዉን ብሓድነት ምስራሕን እቲ ቀንዲ ብዘይብኡ እውን ምሉእን ዝተኣማምንን ናይ ሰረተ-እምነት ዲሞክራሲያዊ ባህሊ፥ ፍትሕን ሰላምን ክነንግስ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ሓባራዊ ማኣዲ ቃልሲ ናብ ሓደ ዕላማ ንምብጻሕ ዝውሕስ ምዃኑ፥ ኣብ ግምት ብምእታው ምስንዳእ ዋዕላ ፖሓኤ ዕውት ክኸውን ናይ ኩሉ ኣባሉን ናይ ህዝብናን ትጽቢት፡ ሃንቀውታን ድሌትን ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ላዕላዋይ ኣካል ፖሓኤን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላን ዝተኸተለቶ፡ ኩሉ ዝሕበነሉ ግሉጽነት ዘረጋገጸ፡ ናይ ክትዕ መድረኻት ዝኸፈተ፡ ላዕላዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ሰለስቲኡ ርእይቶታት ዝሃብሉን ዝተኻትዕሉ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናይ ሓሳባት ምቅይያራት ዘረኣየን ምትሕብባራት ዘዕዘዘን መስርሕ ነይሩ። እቲ ክትዓትን ርእይቶታትን ንዲሞክራስያዊ ባህልን ናይ ሓባር ስራሕን ዘንጸባርቕ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ዕዉት ዋዕላ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ተደላይነታት ዘማልእ ነይሩ ክንብል ንኽእል።
ኣብ መደምደምታ፥ መስርሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ከምቲ ዝድለ ንምዕዋት ብናይ ሰለስትዩ ኣካል መርሕነትን ሽማግለን ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብን ኣድላይ ነገራዊ ኣበርክቶ ብምቕራብን ዝተገብረልና ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ ነይሩ’ሞ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ መድረኽ እዚ ብስመይን ብስም መላእ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን የመስግኖም። ብሓፈሻ ንኹሎም ኣባላት ፖሓኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ንኡስ ሽማግለ ሰነዳት ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኣባላት ፖሓኤ እውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣድናቖታ ትገልጽ።
ኣብ መንጎና ተረኺቦም ዘለዉ፣ ኣባላት ሚዲያ
- ኣቶ ኣለምስገድ ፣ ቅራጻይ ቢድዮ
- ዶ/ር መድሃንየ ካብ ኤሪሳት
- ኣቶ መሕመድ፣ ኣቶ ማጂደ ካብ መስከርም 61፣
- ኣቶ ዮናስ ካብ ኤሪፒኤም፣
- ኣቶ ሺሳይ ካብ ራዲዮ ኤረና፣
- ኣቶ ዓይነታ ካብ ሃገረይ ቲቪ፣
- ኣቶ የወሃንስ ካብ ስኒትና
- ኣቶ ኣማኒኤል ካብ ኣስና
ካብዚ መድረኽ ብዓቢ ክብርን ኣድናቆትን፡ ልባዊ ምስጋና ከመሓላልፈሎም እፈቱ።
ኣብ መወዳእታ ዋዕላ ዕዉትን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግረናን ንክኸውን ናይ ኩልና ሓላፍነታዊ ኣበርክቶ ከም ዝሓትት እንዳሓበረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንክዕወት ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።
ብሓድነት ንሓርነት!!!
ክብርን ሞጐስን ንስውኣትና!!!
6 ነሓሰ 2024
ቪስባደን