ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ቅትለት ንኹንን

2024-05-12 21:32:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 535 times

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ሓደ ኣባል መሪሐነት ህዝባዊ ማዕበል ብሪጌድ ንሓመዱ፡ ብደገፍቲ ህግደፍ ምዃኖም ዝተነግረሎም ዘይሓላልፍነታውያን ባእታታት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከም ዝተቐትለ ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንና።

ናይቲ ቅትለት ጠንቂ፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘኸተሎ ምዃኑ ከኣ ከም ኤርትራውያን ካብ ምጽውዋርን ምክእኣልን ኣዚና ርሒቕና መፍቶ ናይቲ ንዓና እንዳቃተለ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ውዲታት ዝኣልም ጉጅለ ህግደፍን ዓመጽ ዘሳውሩን ኮይንና ከም ዘለና ዘመልክት እዩ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ንዝኣመነሉ ክድግፍ፡ ንዘይደገፎ ከኣ ክቃወም መሰለኑ ክነሱ፡ ብፍላይ ናይቲ ኣብ ዓዶም ምንባር ዝኸኦም ስርዓት ደገፍቲ ኮይኖም፡  ኣብ ልዕልቲ ኣቦ 4ተ ቆልዑ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብሓፈሻ ከኣ ንኹሉ ቅድሚኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ቅትለት ተርእዮታት ብትሪ ንኹንን።

በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራውያን ነናትካ ርኢቶ ምውናን፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ እምበር ዘቃትል ጽልኢ ከምዘይኮነ ተረዲኦም፡ ምቅትታል ድሑር ኣተሓሕዛ ፍልልይ ምዃኑ ክግንዘቡ ነዘኻኽር። እቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝምልከቶም ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ንገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከቕርብዎም ምሕጽንታና ነቕርብ፣

ኣብ መወዳእታ ንመዋቲ መንግስተሰማያት ከዋርሶ፡ ንስድራቤትቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም ኣናበልኩ፡ ብስም መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተሰመዓኒ ሓዘን ዳግማይ እገልጽ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

13 ጉንበት 2024

Last modified on Sunday, 12 May 2024 23:47