ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይረኸበን

2025-11-12 15:11:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 36 times

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ተዃሻሒ ሕቶ ኣብደገ ባሕሪ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣጀንዳ ንክቐርበሉ፡ ንከረድእ ናብ ዝተፈላለዩ ጸለውቲ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዘቕረቦ ወኸሳ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተነጽገ፡ ቢቢሲ ቋንቋ ኦሮሞኛ ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ተወኪሳ ከም ዝሓበረቶ፡ ኢትዮጵያ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዘቕረበቶ ሓሳብ ብወሰንቲ ኣህጉራዊ ሓይልታት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ዝተነጽገሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ምዕቃብ ልኡላዊ ክብሪ ገማግም ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ምዃኑ፡ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።  ካብተን ሕቶ ዝቐረበለን ሃገራት መብዛሕተን ነቲ ሕቶ ምንጻግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣብ ክሊ ዓለምለኻዊ ሕግን ልኡላዊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዝውንና ሃገራትን ጥራይ ዝረአ ምዃኑ ኣዕዚዞም ምጥቃሶም’ውን ተሓቢሩ።

ሩሲያ ዋላ’ኳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዘተኮሩ ርክባት እንተለዉዋን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ክረሚልን ንፕረሲደንት ፑቲን ብኣካል ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ኣልዒልሉ እንተነበረን፡ እዚ ዛዕባ’ዚ ኣጀንዳ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኮይኑ ንክቐርብ  ፑቲን ከም ዘይተቐበሎ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብልዝብን ዘተን ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽል ምምዓዱእውን ተሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ከኣ  ብንጹር ተቓዊመን ሕቶ  ኢትዮጵያ ኣብቲ ተሃዋሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ዘይምርግጋእ ዘምጽእ’ዩ ክብላ ገሊጸናኦ።

ነቲ ምዕብልና ዝተኸታተሉ፡ ናይ ዞባና ተንተንቲ ፖለቲካ ብወገኖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነዚ ምርጫ ዝሓዘ ብድፊት ዘቤታዊ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሶም፡ ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ዞባዊ ህውከት ግና ዘቕለበሉ ኣይመስል ዝብል ርኢቶ የንጸባርቑ ኣለዉ።

Last modified on Wednesday, 12 November 2025 17:06