ዓለምለኻ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል

2024-12-11 13:06:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 483 times

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ሰባት ኣብ ገዛእ ቤቶም፡ ቦታ ስረሖን ካልእ ቦታን ዘጋጥሞም ጥሕሰት ሕግን መሰልን ኣጻርዩ ፍትሒ ከም ዝረኽቡን ማሕበረሰብ ሰላም  ንክኾውን ዘረዳድእን ትካል እዩ። ከምኡ እውን ብመሰረት’ቲ ኣብ ፓሪስ ብ1995 ዝጸደቐ፡ ሕጊ ናይ ሰባት ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ኣብ ምውሓስ ዝሰርሕ ኣካል እዩ።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል 10 ታሕሳስ፡ በብዓመቱ ዝተፈላለዩ ጭረሖታት ብምቅላሕ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ከንጸባርቕ ዝተሓርየ ጭረሖ  ከኣ “መሰልናን መጻኢናን ሕጂ” ዝብል እዩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ሰላማዊትን ማዕርነታዊትን ዓለም ኣብ ምፍጣርን ግብራዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብን ኣውንታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይኣምን።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ መጀመርያ፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ፡ ኣብ መወዳእታ ብጠቕላሊ ጉባአ ናይቲ ትካል ብ1948 እዩ ጸዲቑ። ኣብቲ ኣብ መጀመርያ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንኹሉ ወዲ ሰብ ማዕረ ዝብጽሕዎ 30 ቀንዲ መሰላትን ነጻነታትን ከም ዝሓቁፍ  ከኣ ሰነዳቱ ይሕብሩ።

ኢሊኖር ሩሰቨልት፡ ከም ኣደመንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምጽዳቕ እቲ ናይ 1948 ቻርተር ግደኣ ዕዙዝ ከም ዝነበረን ኩሉ ግዜ ከም ናታ ኣውንታዊ  ኣህጉራዊ ውርሻ  ኮይኑ ዝዝከር ዘሎ እዩ።

ኣብቲ ቻርተር ካብ  ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዓንቀጻት፡ ብህይወት ናይ ምንባር፡ ካብ ስቓይን ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ነጻ ምዃን፡ ካብ ባርነትን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ነጻ ምዃን፡ መሰል ነጻነትን ሓርነትን ምውሓስ፡ መሰል ምርካብ ፍትሓዊ ፍርድን ካብ ዘይሕጋዊ መቕጻዕቲ ነጻ ምዃንን ዝብሉ ይርከብዎ። ዓንቀጽ 9 ናይቲ ቻርተር ከኣ ግዳይ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምጭዋይን ስደት ንዘይምዃን የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይወርድ ካብ ዘሎ በደላት “ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጥሕሰት ንክውገድ ብተደጋጋሚ ከቕርቦ ዝጸሐ ምጽንታ ታት ኣይተተግበረን። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም  ኣካላት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ቆላሕታ ከይነፍግዎ ንጽውዕ።

Last modified on Wednesday, 11 December 2024 14:16