24.09.2024

Martyr Mohamed Adem Artaa 1

ብሕማም ምኽንያት ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምስቃይ፡ እቲ ኣብ ሞያ ማሕበር ንጡፍን መራሕን ዝነበረ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ወጋሕታ ቀዳም ብዕለት 24.08.2024 ኣብ ካይሮ ርእሰ-ከተማ ግብጺ ተሰዊኡ።

ስዉእ ኣርትዓ ብ1958 ዓ.ም ኣብ ኣቑርደት፡ ርእሰ-ከተማ ባርካ ተወሊዱ። ኣቦ 5 ኣወዳትን ኣዋልድን ኢዩ። በኹሪ ወዱ መርዋን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ድሕሪ መርዓ ሓዉ ብሃንደበት ዓሪፉ። ብሞት ናይ ውላዱ ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ዝስምዖ ዝነበረ። ከም ኣጋጣሚ ከኣ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ እውን ኣብ’ታ ውላዱ ዝዓረፈላ ዕለት 24 ነሓሰ ኢዩ ተሰዊኡ። ስዉእ ኣርትዓ ናይ ከተማ ኣቑርደት፡ ናይ ሩባ ባርካን ስንጭሮታቱን፡ መስጊዱ፡ ከም ዓካት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፍሬታትን ፍሩታታትን ናይ ዓርኮብኮባይን ዶምን  ጥቕምታቶምን ኣበቛቑሎኦምን ኣመዓባብልኦምን ደረጃ ዕብየቶምን ኣዴታትን ህጻናትን ፍሬታት ክለቕሙ ከለዉ እናዘከረ ብዓሚዩቕ ናፍቆትን ፍቕርን ኢዩ ዝገልጾም ነይሩ። ካልእ ስዉእ ኣርትዓ ቃንዝኡ ቅሩብ ቅልል ክብለሉ ከሎ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ ብዛዕባ እታ ብጸላም ሰንበት እትፍለጥ ግዙፍን ደማውን ህልቂት ዝተፈጸመላ ዕለት፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ምሉእ ህይወቱ ዋጋ ዝኸፈለሉ እሞ ሞሳ ዘይረኸበሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ የዘንትወልና ነይሩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ስቓይ መነባብሮ ናይ ኩሎም ክቡራት ተጋደልቲ ትዕድልቲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

ተቓላሲት ከተማ ኣቑርደት ንካብ ደገ ዝመጹ ጨቆንቲ ገዛእቲ ይኹን ካብ ውሽጣ ዝበቖሉ ጨቆንቲ ኣምሓደርታ እሾኽ’ያ ነይራ። ንኣቑርደት ከም’ዚ ኢለ ክንእዳ እንከለኹ፡ ነተን ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኤርትራ፡ ካብኣ ዘይውሕድ ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ንምንእኣስ ወይ ንምርሳዕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንኣቑርደት ህያው (በረኸት ኣቡ ሁመድ)፡ ካብ ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኣፍሪቃ  ዝፈልያ ግን፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት መዕቆቢትን መፈልፈሊትን ማህጸን ናይ ሰውራውያን ስለዝነበረት ኢዩ። ኣቑርደት፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወቱ ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ፡ መራሕትን ሰማእታትን ዝኸፈለት ከተማ  ኢያ። ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ከኣ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ መድረኻት ሰጋእ ከይበለ፡ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ምእንቲ ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ናይ ኩሎም ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዝተቓለሰን፥ ኩሎም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ክፍልታትን ፓለቲካውን ስነሓሳባውን ሓይልታቶም ብመሰረት ዜግነታዊ መሰላት ዝምሓደሩላ ሃገር ክርኢ ዝተቓለሰን ባእታ ኢዩ።

ተቐማጦ ናይ ኣቑርደትን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ቁሸታትን ንሰውራኦምን ተጋደልቶምን ንምሕላው ከቢድ ናይ ገንዘብን ህይወትን ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ትዕድልቶም ስለዝዀነ ሰውራ ኤርትራ ካብ ማሕበራዊ ክፍሎምን ካብ መሬቶምን ኢያ ተወሊዳ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ መሬቶም ከተማኦምን ካብ’ቲ ማእከል መደበራት ስልጣን ናይ ገዛእቲ ርሕቕ ዝበለ ስለዝነበረ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም እቶም ቀዳሞት ገዳይም ተጋደልቲ ከቢድ ጾር ሰውራ ክስከሙን ሎሚ እንተዀነ ውን መብዛሕትኦም ናይ ስደት ሓሳረ-መክራ ዝመልኦ መነባብሮ ከሕልፉን ተገዲዶም ዘለዉ።

ህዝብና፡ ሰውራኡ ካብ ዘበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ኣንጻር መግዛእቲ ሃይለስላሰ ናይ ክብሪ ውግእ ኢዩ ኣካይዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ሰውራና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ኤርትራ ስለዝተላብዐ ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ተሳትፎን መስዋእትን ውን እናዛየደ ከደ። እንተዀነ ግን፡ ዋላ ውን መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬትና ከነባርር እንተበቓዕና፡ እቲ ንሃገርና ከዲንዋ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ከነባርር ኣይከኣልናን። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኢዩ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ንነፍስወከፍና  በብናትና ኣገባብን ብዝተፈላለየ ክብደቱን ከነስተማቕሮን ክገጥሞን ዘሎና ናይ ፍቕርን ምረትን ሃለዋትን ክሽፈን ዘይከኣል ባዶነትን ገዲፉልና ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቱ ዝኸደ።

Martyr Mohamed Adem Artaa 2

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ምስ ተጨውዩ ዝተሰወረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ ደማስቆስ ብ1997

ስዉእና ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ሰውራዊ ኩነታት ኢዩ ዓብዩ። ካብ ንእስነቱ፡ ገድላዊ ክብርታትን ሃገራዊ ፍቕርን እናተመገበ ኢዩ ናብ ገድሊ ተሰሊፉ ክሳብ እቲ እተቓለሰሉ ዕላማታት ዝዕወት ድማ ብጽንዓት ቀጺሉን ተቓሊሱን።

ኣዲኡ ወይዘሮ ዓይሻ ጓል ሰይድና ኣልሑሴን ብ1967 ዓ.ም ስለዓረፈት ንበይኑ ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ብመጒዚትነት ናይ ዉሩይ ሃይማኖታውን ማሕበራውን መራሒ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ ነፍስሄር ኣብሓጎኡ (ብናይ ኣዲኡ ሸነኽ) ሰይድና ሑሴን (ኣምላኽ ምሕረቱ የውርደሉ) ኢዩ ዓብዩ።

መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ቁርኣን ኣብ’ቲ ብሓወቡኡ ዝውነን ዝነበረ መባእታ ሃይማኖታዊ ቤት ኢዩ ኣጽኒዑ። ካብኡ ናብ ሲቪላዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣቑርደት ቀጺሉ። ብኣንጻሩ ዝበዝሑ ካብ ኣቑርደት ይኹን ካብ ካልእ ቦታታት ናይ ኤርትራ ዝመጹ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰይድና ሑሴን ናይ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኢዮም ዝቕጽሉ ዝነበሩ። ስዉእ ኣርትዓ፡ ህዱእ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ሕጉስን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን ተዋዛያይን፥ ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ምስ ኩሉ ዝዛተ ልዙብን ብሉጽን ሰብኣዊ ፍጡር ኢዩ ነይሩ። ካብ ጉጅላዊ ማሕበራዊ ስምዒታትን ዝምድናታትን ሓራ ዝዀነ፥ ኣብ መትከላት ናይ ነጻነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ ባእታ ኢዩ ነይሩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ዙርያኡ ዝፍጸም ጉዳያት ክፈልጥ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዓበይቲ ዓዲ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ኣብ እንዳ ኣባሓጎኡ ሰይድና ሑሴን ዝግበር ኩሉ ነገራት ይከታተል፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ሰውራታትን ሰውራውያንን ብዙሕ ይፈልጥን የንብብን ነይሩ። ሕልምታቱ ኣብ ሽቶኡ ከየብጽሐ ግን ተሰዊኡ። እዚ ኣብ ስዉእ ኣርትዓ ዘጋጠመ መደምደታ፡ ኣብ ኩሎም ክቡራት ተጋደልትና ዝደጋገም ዘሎ ኣሕዛኒ ተመኩሮ ኢዩ።

ኣኮኡ መሓመድ ጣህር ኣልሑሴን ምስ ኣርትዓ ጥቡቕ ዝምድና ስለዝነበሮ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲርሉ ኢዩ። ኣርትዓ፡ ኣኮኡን ካልኦት ስሩዓትን ካብ ጨንፈር ኣቑርደት ንዕለታዊ መነባብሮ ናይ ተጋደልቲ ዘድሊ መግብን ንብረትን  ኣኪቦም ነቶም ተጋደልቲ ክህብዎም ከለዉ ይርኢ ነበረ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ከኣ፡ እቲ ንተጋደልቲ ዘድሊ ነገራት ካብ’ቶም ስሩዓት ናይ ተሓኤ ዝነበሩ ነጋዶ ኣኪቡ ናብ ተጋደልቲ ከብጽሕ ጀመረ። ኣኮኡ መሓመድ ጣህር፡ ሓደ ግዜ ካብ ማእሰርቲ ክሃድም ክፍትን ከሎ ስለዝቖሰለ ተታሒዙ ን7 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣርትዓ ምስ ብዙሓት ተጋደልቲ ከም በዓል ዓሊ ሕንጢ፡ ያሲን ዓሊ ጃምዕ፡ ጃዕፈር መሓመድ ኑር፡ ሱልጣን ኣልዓፋሪን ካልኦት ንጡፋት ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር መንእሰያትን ክፋለጥ ክኢሉ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣብ ናይ ተለፎን ርክብና ከመይ ኢሉ ንሜዳ ከምዝወጸ? ሓተትክዎ። ዋላ’ኳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ  ሓባራዊ  ገድሊ ተመኩሮን ሓባራዊ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበታትን እንተነበረና፥ ከምኡ’ውን ከም ዓቢ ሓወይ ይቖጽሮ ዋላ እንበር፥ ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታና፡ ማሕበራዊ ኣተዓባብያናን ውልቃዊ ህይወትናን ጥልቕ ዝበለ ናይ ሕድሕድ ኣፍልጦ ኣይነበረናን። ስለ’ዚ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕል እንከሎኹ ብሓደ ሸነኽ ንኽፈልጥ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ቃንዛኡ ከረስዖ ካብ ዝብል ዕላማ’ዩ ነይሩ። ናይ መወዳእታ ግዜ ብኣካል እተራኸብናሉ  ነዊሕ ኰይኑ ኢዩ ማለት ብ1997 ዓ.ም ኣብ ደማስቆስ ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ እናተሳቐየ ዝሃበኒ መልሲ ኣብ ዝኽርታተይ ናይ ገለገለ ናይ ሓባር ተመኩሮታትና ዝተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ።

ስዉእ ኣርትዓ፡ ናብ ተሓኤ ዝተሰለፈሉ ዕለት ድሕር’ቲ ዘሕዝንን ዘይርሳዕን ብትእዛዝ ናይ ሻምበል በለው ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ኣቑርደት ዝፈጸሞ ህልቂት ምንባሩ ገሊጹለይ። እቲ ህልቂት ድማ፡ ከም ሕነ ምፍዳይ ናይ’ቲ ብደባይ ተዋጋእቲ (ፈዳይን) ተሓኤ ዝተቐትለ ተኽለ ሰለሙን እተባህለ ሰላዪ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንባሩ ኣዘንትዩለይ።

ቀጺሉ፡ እቲ  ተረኽቦ ዘጋጠመሉ ህሞት፡ ካብ ጀርዲን ናይ ኣባሓጎይ ናብ ክተማ ክምለስ ከለኹ ናይ’ቲ ህዝቢ ዘይልሙድ ዝዀነኒ ምንቅስቓሳት ተዓዘብኩ። ብዙሓት ሰባት ፍኹስ ዝበለ ጾር ተሰኪሞም ካብ ከተማ ክሃድሙ ስለዝረኣኹ፡ እንታይ ሓድሽ ተረኽቦ ከምዘጋጠመ ነቶም ዝረኸብክዎም ምስ ሓተትክዎም፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣትዩ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝቐተለ ሓበሩኒ። ናብ ማእከል ከተማ ከይኣቱ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግን ቀጺለ ናብ ማእከል ከተማ ኣተኹ። ኣብኡ ናይ ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ኣንስትን ሽማግለታትን ናይ እንስሳታት ሬሳታት ውን ከይተረፈ ብብዝሒ ኣብ ጽርጊታት ተጸጢሑ ርኣኹ። ንእዝኒ ዘጽምም ድምጺ ናይ ተኹሲ’ውን እሰምዕ ነበርኩ በለኒ።

ምስ’ቶም ሓንቲ በደል ከይፈጸሙ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ብጭካኔ ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ዝፈልጦም ሰባት ሬሳታት ውን ረኺበ። ናይ’ታ ከተማ ጸበብትን ገፋሕትን ጐደናታት ስለዝፈልጥ ኣብ’ቶም ጸበብቲ ተሓቢአ አሕሊፈዮ። ገዛ ኣኮይ ርሑቕ ስለዝነበረ ክበጽሖ ኣይከኣልኩን። ኣብ’ቲ ህልቂት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ገለ ካብ ኣዝማደይ፡ ኣዕሩኽተይን ጐረባብተይን ውን ብዓይነይ ርእየ በለኒ።

ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ጸበብቲ ጐደናታት መንእሰያት እናሃደሙ ኣጋጢሞምኒ፥ ኣነ ውን እናሰዓብክዎም ኣብ ኢድ ብዙሓት ፖሊስ ወደቕና።  እቶም ፖሊስ ብበትሪ እናሃረሙ ንብዙሓት ካባና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ክፍትሹና ጀመሩ። ኣነ ከኣ ብዕድል ኣብ ቁጽጽር ናይ ሓደ ፖሊስ ኣቶኹ። ንሱ ብበትሪ እናሃረመ ክፍትሸኒ እንከሎ፡ ኣብ ጁባይ ሓንቲ ቅድሚ’ቲ ህልቂት ሰሙን ኣብ ዝተኻየየደ ናይ 800 ሚተር ናይ እግሪ ቅድድም ተዓዊተ ዝተሸለምክዋ ሰዓት ረኸበ። እታ ሰዓት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክብርቲ ኢያ ነይራ። እቲ ዝሓዘኒ ፖሊስ ንዓኣ ክሰርቕ ስለዝመረጸ ንዓይ ክሃድም ወይ ክድሕን ዕድል ኣጋጢሙኒ ኢዩ በለኒ።

ኣነ ኣብ ገዛ እንዳ ኣባሓጎይ መሬት ምስ ጸልመተ ብለይቲ ኢየ በጺሐ። ኣኮይ ብምምሳየይ ተሻቒሉ ኣብ ማዕጾ ናይ ገዛና ክጽበየኒ ጸኒሑ። በቲ ኣብ ስድራና ዝጽውዓሉ ስጓ መጺእካ’ዶ ኣንታ ጐታን (ኣቡ ቖጃ) በለኒ። ድሕር’ዚ ኩሉ ብገዛእቲ ዝተፈጸመ ግናይ ግፍዒ፡  ዓዛብን ምጉታትን ኣነ ንሜዳ ክወጽእ ወሰንኩ ይብል።  

Martyr Mohamed Adem Artaa 3

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ተጋዳላይ ዒሳ መሓምድን ምስ ዓቢ መራሒና ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ኣስዒቡ፡ ብኡ ንብኡ ክንዕለም ጀመርና። ኣብ’ታ ዝነበርክዋ ጉጅለ ዝነበሩን ዝነበራን ተጋደልቲ ነስረዲን ሮመዳን፡ መሓመድ ኢድሪስ ኣቡ ኼር፡ ሳዕድያ ራካ፡ ዓሻ ራካ፡ ጀማል መሓመድ ዓሊ፡ እሙናን ቡቱልን ደቂ ሓወቦታተይ ሙሓመድ ኣማንን ካልኦት ክዝክሮም ዘይከኣልኩን ነበሩ።

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምዝዛመይ ሓደ ኣህጉራዊ ትምህርቲ (course) ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ናይ ርእሰ ዓንቀጻዊ ቦርድ ዜና ናይ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዘዝኩ።  ምሳይ ውን ኑሪ መሓመድ ዓብደላን ዓብደላ ኣፈንዲን ነበሩ። ኣብ ኤሊት ዝብሃል ከባቢ ከኣ ነይሩ መደበርና ብምባል ዘረባኡ ዛዚሙ።

ምስ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ ካብ’ቲ ዝኽርታተይ ተበጊሰ ክጽሕፎ ከለኹ ኣዝዩ ዘሳቐየኒ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ህይወቱ ይምዝግቦ ከምዘለኹ ተረዲኡ “ዎ መሓመድ እቲ ግዜ እናኣኸለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብ ሕጂ ዝተረፈ ናይ ምንባር ዕድል የለን ምስ በለኒ ስምዒታተይ ክቆጻጸር ስለዘይከኣልኩ ስቕ ኢለ። እቲ ዝቐሰምክዎ ትምህርቲ፡ ሓዘንን መረረን ውሒጠ ንነብሰይ ተቖጻጺረ “ኣምላኽ ዕድመ ይሃብካ፥ ከምኡ ኣይትበል፥ ንሕማምካ ስዒርካ ዕላማታት ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ህዝብና ክሳብ ዝዕወት ብሓባር ጉዕዞና ክንቅጽል ኢና” በልክዎ።

ምስ ኣርትዓ ብ1985 ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ተራኺብና። ቅድሚኡ ግን ኣብ’ታ ዝነበርናያ ከተማ ኣቦይ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ስለዝነበረ ሒዙኒ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ኣኼባታት ይወስደኒ ስለዝነበረ ንኣርትዓ ኣብኡ ኢየ ዝርእዮ ዝነበርኩ። ድሒሩ ግን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ኰነ ብቐረባ ክራኸቦ ጀሚረ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚርና ምስ ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾትናን መማህርትናን ፖለቲካዊ፡ ብጻያውን ሕውነታውን ርክብና ኣየቋረጸን። ኣርትዓ እሙን ሓው፡ ፈታው ሰብ፡ ለጋስ፡ ክኢላ ተላዛባይ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ተጻዋራይን  ብሓሳብን ብግብርን ዲሞክራስያዊ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ንዕኡ ብምኽሳረይ ልበይ ከፊተ ዝህቦ፡ ዝኣምኖ፡ ነቲ ነዊሕ ቃልሲ ሓቢርና ክንጓዓዞ ዘኽኣለን በዓል ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበት ዝዀነ ዓቢ ሓው ኢየ ከሲረ። ማሕበራዊ ጽልእን ጽበትን ኣይርእየሉን ኢየ። ልዕሊ ኩሉ ማሕበራውን ባህላውን ፍልልያት ኰይኑ ካብ ሰብኣውነት ዝተበገሰ ፍቕሪ፡ ኣላዪን ሓቋፍን ባህርያት ዘለዎ፥ ብዓው ዝበለ ሰሓቑ፡ ፍሽኽትኡ ተዋዛይነቱን ከም መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቑርደት ኣብ ከባቢኡ ዝኣኻኽበና ተቓልሳይ ነበረ።

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣባላት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዎ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ፍትው፡ እሙን፡ ግሉጽን ንኹሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቀጸላታትን ፖለቲካዊ ዝንባሌታትን ዘይፈላልን ስለዝነበረ ኢዩ። ካብ ዝተሰለፈሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ታሪኻዊ ግደ ዘበርከተሉ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዲቡ ክሳዕ ላዕለዋይ ጽፍሕታቱ በጺሐ። ብ1978 ዓ.ም ናይ ሞያ ማሕበር ትምህርቲ ንምቕሳም ኣብ ደማስቆስ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳብ ኣብ ኣልቁርባን ሓልፋን ከም ካድር ተመዲቡ ተቓሊሱ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ታ ንወራር ናይ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ንምብዳህ ኣብ ሰማንያታት ዝቖመት ኮሚቴ ኣባልን ካድር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ፖርትሱዳንን ኰይኑ ተቓሊሱ።

ተሓኤ ናብ’ቲ ብምንቅስቓስ 25 መጋቢት ዝፍለጥ ብስዉእ |ዓብደላ ኢድሪስ ዝምራሕ፡ ሓፈሻዊ ዝምባሌ (ተያር ኣልዓም) ዝተባህለ ብስዉእ ሙሓመድ ኣሕመድ ናስር ዝምራሕን ብሳግም ዝፍለጥ ብኢብራሂም ቱቲል ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጸ ዝምራሕን ሰለስተ ውድባት ምስ ተኸፍለ  ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ  ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ዝንባለ ዝተባህለ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ።

ድሕር’ቲ ኣብ መንጐ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን (ሓፈሻዊ ዝምባሌ) ኣብ መንጐ ብስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ዝነበረ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተኸደ ፍሹል ናይ ምጽንባር ሓድነት፥ ስዉእ ኣርትዓ ምስ’ቲ ዝተጸናበረ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ምጽንባር ከይሰጐመ፥ ብኣሕመድ ጃስር ዝተባህለ ስዉእ ወተሃደራዊ ሓላፊ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተቐይዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ኣሰቃቒ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ኣሕሊፉ።

Martyr Mohamed Adem Artaa 4

ስዉእ ኣርትዓ፡ ድሕር’ቲ ናይ 1985 ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሰሚናር፡ ንስዉእ ተጋዳላይ ኢብራሂም ማሕሙድ ሃዛም ተኪኡ ወኪል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኣብ ፖርትሱዳን ተመዚዙ። ኣብ’ቲ ብ1989 ዝተኻየደ ሳልሳይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ራብዓይን ምዱብ ጉባኤታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ (ማእከላይ መሪሕነት) ኰይኑ ተመሪጹ። ድሕሪ’ቲ ብግንቦት 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነት ድማ፡ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን መርገጽ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተቓሊሱ።

ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ወኪል ቤት ጽሕፈት ከሰላን ካርቱምን ኰይኑ ምግልጋሉ፡ ድሒሩ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ሱዳንን ንውሽጣዊ መደብ ምንቅቓሕ ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ምድላው ዝተመዘዘ ኮሚቴን ኣባል ኰይኑ እጃሙ ኣበርኪቱ። ብዝነበሮ ተቐባልነት ንብዙሓት ናይ ዘተ ሽማግለታት መሪሑ ምስ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘተታት ኣካይዱ። ሓደ ካብ’ኦም እቲ ብእስማዒል ናዳ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲት ዝተባህለ ውድብ ኰይኑ ክሳብ ምጽንባራዊ ሓድነት ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ኢዩ።

ድሕሪ ምፍንጫል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ጐድኒ’ቲ ብስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ሸነኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ብመሪሕነት ስዉእ ኣሕመድ ሙሓመድ ናስር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መስሪቱ።

ኣብ መንጐ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ብመስፍን ሓጐስ ዝመራሕ ዝነበረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓድነት ጉባኤ፡ ስዉእ ኣርትዓ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ተመሪጹ።

ጥዕናኡ እናኣንቆልቆለ ክኸይድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ ኣብ መሪሕነት ክምረጽ ኣይደለየን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ መንግስቲ ኢንቃዝ (ድሕነት) ናይ ሱዳን ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተመሓዝዩ ስለዝነበረ ኣብ ሱዳን ብተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ስርሓት ተኸልኪሉ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ምሉእ ህይወቱ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ህዝባን ዝተቓለሰ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ቅድሚኡ ዝሓለፉን ብሕጂ ውን ብድሕሪኡ ዝሓልፉን ጽኑዓትን ምዑታትን ተጋደልቲ  ኣብ ሃገሮም ዝቕበሩላ መሬት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ኩሎም ክቡራት ተቓለስቲ ኣብ’ታ ህዝባን መሬታን ሰላምን ልዑላውነትን ተኸቢሩ ክነብሩላ ዝሓልምዋ ዝነበሩን ምእንትኣ ብህይወት ይኹን ብገንዘብ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈሉላን ሃገር ድሌቶም ክፍጸመሎም ጽቡቕ ድሌተይ ምዃኑ ክገልጸሎም እፈቱ።

ንኹሎም  ለጋሳት ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን ስድራ ቤት ሰይድና ሑሰንን ብኹሉ ዝከኣሎም ዝሓገዙ መቓልስቱ ኣባላት ሰዲህኤን ኣዕሩኽቱን ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ጐድኑ ደው ዝበሉን ጽንዓት ይሃብኩም።

ናጻ ኤርትራ፡ ምሕረት ንኹሎም ሰማእታትና

ካብኡ ተፈጢርና ናብኡ ከኣ ንምለስ

ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ  ከተማ ቪስባደን ሃገር ጀርመን ካብ 5-8. 2024 ብኣካልን ዙምን ኣሳቲፉ ሰለስተ ውድባት፤ ሰደህኤ፣ ኤስሃግ፣ ደውዓቀባ ዝተኻየደ ዋዕላ፤ ብዓወት ተዛዚሙ። ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቻርተራት ኣጻፊፉ ብምሉእ ድምጺ ዘጽደቖ መስርሕ ድሕሪ ምስታፍና። ኣብቲ ካብ 9-11 ነሓሰ ብሓባር ዘዳለዎ ድሙቕ ፈስቲቫል ‘ውን ድሕሪ ምስታፈ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ መሓዙትን መቃልስትን ምርኻበይ ዓብዩ ዕድል ነይሩ። ኣብዚ ከይተደረተ ብገለ ብጽሖታትውን ኣሰንየዮ።

 ዕለት 24 ነሓሰ 2024 እዩ፣ ንስድራቤት መቓልስትና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንምድባስ ኣብ ከተማ ሮይትሊንገን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ጅምዕ ኣሕመድን ፍስሃየ ሓጎስን ኮይና  ኣብ ገዝኦም ውዒልና። ምምጻእና ብኣጋጣሚ ዝፈልጡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብቤተ ሰብን መሓዙትን ሕርይቲ ተኪኤ፤  ዝተቐረበልና ሽሻይ እንዳተቛደስና ሓቢርና ከነዕልል ውዒልና። 

Untitled 1

ኣብቲ ውዕሎ እነፍቅሮ ብጻይና ተስፋማርያም ብህይወት’ኳ ኣይንበር እምበር፡ ብመንፈስ ግን ምሳና ነይሩ። ንሞያን ኣበርክቶን ጅግና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንናጽነትን ፍትሓውነትን ኤርትራ ዘበርከቶ ቃልሲ ብምዝካር በዓልቲ ቤቱ ተቓላሲት ሕርይትን ቤተ ሰብን ናይ ምጽንናዕ ቃል በብተራ ብምግላጽ ኣካፊልና። ሕርይቲ ብወገና፤ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተጓዒዝኩም ንኽብሪ ተስፋማርያምን ንዓና ንምጽንናዕን ምሳና ምውዓልኩም፣ ሕሰም ኣይትርከቡ፣ ክብረት ይሃብኩም ብምባል ልባዊ ስምዒታ ገሊጻ። ንምሸቱ ምስጋና ይኹኖም ብሩኻት ኣሕዋት ብመኻይኖም ነናብ’ቲ ንሓድረሉ ስድራታት ኣብጺሖምና።

Untitled 2

ኣብ ዕለት 25 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪስባደን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ፣ ፍስሃየን ጅምዕን ምስ ብዶክመንታሪ ናይ  ታሪኽን ባህልን ሰናዲ ሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ ተራኺብና፣ ብዛዕባ ኩሉ ተኽእሎታት ናይ ሙዚቓ ዝተዓደሎ ህቡብ በሃር ገጣማይ፡ ሙዚቐኛን ደራፋይን ሓው ተወልደ ረዳ ዝምልከት ኣድናቖትናን ተዘክሮታትናን ብቪድዮ መልክዕ ሰኒዱ ኣሎ። ብዩትዩብ ሓቲሙ ክዝርግሖ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። 

ድሕሪ’ዚ፡ ምስ ክቡር ሓው ተወልደ ረዳ ኣብ ስትድዮ ሓው ኣለምሰገድ ተራኺብና ኣብ ሰፊሕ ዕላል ኣቲና። ኣብ መጀመርያ 1965 "ሽገይ-ሃቡኒ" ካብ እትብል ሃገራዊ ናጽነት ዝጠለበት ኣባራባሪት ደርፉ ነቒልና ክሳብ’ቲ ናይ መጀመርያ ሰብዓታት ንብሉጻት ደረፍቲ ናይቲ እዋን’ቲ ዝተሳተፍዎ (ጸሃይቱ በራኺ፣ በረኸት መንግስትኣብ፣ በየነ ፍረ...ወዘተ) ኣወሃሂዱን መሪሑን ዘሕተምዎ ዲስክታት ኣመልኪትና ዘቕረብናሉ ሕቶታት ኣስፊሑ ገሊጹና። ካብቲ ዝገለጾ ንምጥቃስ፤ "ኣብቲ ጒጅለ ባህልና ጸሃይቱ በራኺ ንምስታፋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከይደ ኣምጺአያ። ክሳብ ዕማምና ነሳልጥ ኣብ ደሃብ ሆቴል ከተዕርፍ ኣእትየያ። ንዋና ሆቴል ወይዘሮ ደሃብ፤ ናይ መግባን መደቀሲኣን ሕሳብ ባዕለይ ክኸፍሎ እየ ምስ በልኩወን፣ ንዓይ’ውን ጋሻይ ስለ ዝዀነት ኣይክትኸፍልን ኢኻ በላኒ" ኢሉ ተዘክሮታቱን ናይ ኤርትራውያን ፍቕርን ልግስን ዘኪሩ አዕሊሉና። 

Untitled 3

ተወልደ ምስ ፍሉይ ክእለት ጊታሩ፣ ድሙቕ ድምጹን ዜማኡን ኣብ መድረኽ ደይቡ ክደርፍ ከሎ "ንጉስ ናይ መድረኽ king of stage" ዝብል ቅጽል ስም እዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ተራ ጊዜ ግን ከም ተራ ሰብ ምቕሉልን ሕዉስን ምንባሩ ገለ ካብኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ረኺቦሞ ስለ ዝነበሩ ተገንዝቦኦም ኣካፊሎም።

ፍሳሃየ ሓጎስ 16.09

ኣብ ሃገር ሆላንድ ዝነብር ተወልደ፣ ኣብ ተሓኤ ተጋዲሉ ክሳብ ንኮረኮን- ታህዳይ፣ ሱዳን ብውዲታዊ ኲናት ተደፊእና ዝኣቶናሉ እዋን ዝነበረ  ጽኑዕን ተባዕን ተቓላሳይ እዩ። ተዘክሮታቱን ገለጻታቱን ንጹር ምህላዉ ተዓዚብና፤ ዕድመን ጥዕናን ድማ ንምነየሉ። 

ፍሳሃየ ሓጎስ

እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ዓለምና ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ቅልውላው እትውጠረሉ ዘላ እዩ። እቲ ብደረጃ ዓለም እናከፍአ ዝኸይድ ዘሎ ምንቁልቋል ቁጠባ፣ መርኣያ ናይቲ ቅልውላው ኮይኑ፡ በብኩርናዑ ዝላብዑ ዘለዉ ውግኣት’ውን፡ ዓለምና ሻቕሎታ መመሊሱ ንክዓርግ ዝድርኽ እዩ። እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ሃስያኡ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንመነባብሮ ህዝብና  ክሳብ ክንደይ  ይሕምሶ ከም ዘሎ  ርዱእ እዩ። 

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩኩረይንን፡ ኣብ መንጎ  እስራኤልን ደገፍታን ኣብ መንጎ ኢራን እንተዕጥቖም፡ ሓማስ፡ ኢዝቡላህ፡ ሑቲን ካለኦትን ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ሰብኣውን ቁጠባውን ዕንወት ዘሰንብድ ኮይኑ፡ ኣብ ካለኦት ኩርነዓት ዓለም ዝረኣዩ ጐንጽታት እውን ኣብቲ ዝጀመርሉ ቦታታት ተደሪቶም ዝተርፉ ዘይኮኑ፡ ጽልዋኦም ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዘሕድሮ ምንቁልቋል ኣብ ህይወት ኩልና ዝበጽሕ ዘሎ’ዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስትራተጅያዊ ተደላይነት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤል መንደብን ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዝካየድ ውግእን ዕግርግርን ተጸላዊ እዩ። ብሰንክ’ቲ እስራኤል ብመሻርኽታ እናተሓገዘት  ኣንጻር ተቐናቐንታ ተካይዶ ዘላ  ውግእ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዳይ ዝኾና ዘለዋ ናይ ንግዲ መራክብን ነዚ ምክልኻል ዝወፍር ዘሎ  ሰብን ኣጽዋርን ምዕራባውያን ኣሕዲርዎ ዘሎ ተጽዕኖ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራት ዞባና  ድሕረተን፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ኣብ ሕድሕደን ዘሎ  “ናይ መን ዓብለል” ምውጣጥን ዘይርጡብ ዝምድናን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ምሕደራአን ከኣ ኣብ ሓይልን ምልክን ዝተሰረት እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ እንታይ ከም ዝዘንብ ዘይፍለጥ ደበና መሊሱ  ዘኽብዶ እዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ህግደፍ ደኣ ከመላኽዖ ይፈትን እምበር፡ ዕድመ ልክዑ ብሓይሊ ዝገዝእን ሕድሪ ህዝቢ ዝጠለመን ምዃኑ ርኡይ ስለ ዝኾነ፡ ዝኽሕዶ ኣካል ዘሎ ኣይመስለናን። ምኽንያት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብምዝርዛር እዝኒ ብዙሓት ዘጽመመ ስለ ዝኾነ።  ክሳብ ሎሚ “ ውሽጡ እናሓረረ ስቕ” መሪጹ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ጽባሕ ትዕግስቱ ወዲኡ ኣንጻርቲ ጉጅለ ከም ዝግንፍል ውሁብ እዩ።

ኢትዮጵያ  ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ብሓያል ደማዊ ውግእን ምጭዋይ  ዜጋታትን እያ ትሕቆን  ኣላ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ድማ ድምጺ ጥይት’ኳ እንተሃድአ፡  ኣብ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ኣይበጸሐን። እቲ ብሓፈሻ ክልል ትግራይ ብፍላይ ከኣ ህወሓት ኣብ ገዛእ ርእሳ ትሕመሶ ዘላ፡ ንማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዘቕስኖ’ ኣይኮነን። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንግዝይኡ ንዝጥቀመሉ ካብ ምግዳዱ ዓዲ ዝውዕል ኣይውዕል ዝብል ግምት ኣሎ። እቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ መጻኢኡ ንምግማቱ ዘጸግም ሓደገኛ ምክፍፋል ሳዕብየኑ  ኣብቲ ክልል ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝተኾልፈ ተናኻሲ ባህርያት ህግደፍ ተወሲኽዎ ናብ ሃገርና ከይላባዕ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።

ኣብ ሱዳን ካላኣይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልተ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ውግእ ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ክንድዚ’ዩ ኢልካ ምጥቃሱ ዘጸግም’ዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ብሕብረተሰብ ዓለም  ዳርጋ ተርሲዑ፡ መጻኢ ተስፋ ሱዳናውያን ጸልማት ኣብ ዝኾነሉ እዩ ዝርከብ። በሰንክዚ ውግእ ኣደዳ ስደትን ምምዝባልን ኮይኖም ዘለዉ ሱዳናውያንን ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን  ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሚልዮናት እዮም።

ሶማል ልዕሊ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ኣልሸባብ ኮይና፡ ብሓገዝ ብሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተመደበ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት እያ ትሕለው ዘላ። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ  ሶማሊያ መቃድሾ ዘሎ መንግስትን ንሶማሊያ ዘቖማ ክፍሊ ምምሕዳራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ላዕልን ታሕትን እትብል ዘላ ሶማሊላንድን ዘሎ ፍልልይ ዝሕምሳ ዘሎ እያ።

ኩነታት እታ “ናብ ምርጫ እጐዓዝ ኣለኹ” እትብል ደቡብ ሱዳን ካብተን ካለኦት ጐረባብታ ሃገራት ብዘይፍለ ብዓሌታዊ ምፍሕፋሕ፡ ምምሕዳራዊ ሕመቕን ቁጠባዊ ምጥፍፋእ ላዕለዎት ሓለፍታን ኣብ ስግኣት ዘላ እያ።

ነዚ ኩሉ ደሚርካ  መብዛሕትኣን ሃገራት ዞባና ብዝተፈላለየ ቅልጣፈ ናብ ደረጃ “ውድቕቲ ሃገር ዘምርሓ ዘለዋ እየን” ዝብል ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን’ዩ። እተን ሃገራት ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፈን ዘቤታዊ ዋኒን ዘለወን ድሕረት፡ ኣብ ሕድሕደን’ውን ምርድዳእ የብለንን። ኣሰላልፈኣን ከኣ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ወይ ተታሓሒዝካ ምውዳቕ እምበር፡ ሓላፍነታዊ ናይ ምትሕግጋዝን ሓቢርካ ምዕባይን ኣይኮነን።

ብመንጽርዚ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሶማሊያን ግብጽን ሓቢረን ኣንጻር ኢትዮጵያ ተሰሊፈን ክሳብ ወተሃደራዊ ምጥምማት በጺሐን ኣለዋ። ኣንጻር ኢትዮጵያ ንክሓብራ ነናተን ምኽንያት ኣለወን። ናይ ሶማል ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ቀንዲ  ምኽንያት፡  ምስቲ ኣብ መንጎ ሓንቲ ካብ ክፍልታት ሶማሊያ ዝኾነት ሶማሊላንድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዘይኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ መቃድሾ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታሙ እሞ ሶማልያ “ልኡላውነተይ ተደፊሩ” ዝብል ቁጥዐ ስለ ዝሓደራ እዩ። ብሰንክዚ ከኣ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ከይከውን ወሲና ተውጸኦም ኣላ።

ግብጺ ድማ “ኢትዮጵያ ዝጸንሐ መግዛእታዊ ውዕል ጥሒሳ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ሃኒጻ ናባይ ካብ ዝውሕዝ ማይ ብምንካይ ጎረሮይ ሓኒቓ  ኣብ ሓደጋ ከተውድቐኒ ወጢና” ብዝብል ውህሉል ቂምን ቁጠዐን ስለ ዝጸንሓ እያ።

ጉጅለ ህግደፍ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ዘይተጸንዐን ህውሓት ንምጥፋእ ዝዓለመን ዝምድና ስለ ዝላሕለሐ፡ ድምጺ ኣጥፊኡ ምስ ሶማሊያን ግብጽን ወጊኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ምስ ናይ ኣምሓራ ፋኖ “ኣለዎ ዝባሃል ምትሕግጋዝ” ተወሲኽዎ፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መንገዲ ኣየር በረራ ክሳብ ምቁራጽ በጺሀነኦ ዘለዋ ደሚርካ ሓደ መርኣያ ምርሕሓቐን ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ኣብ ርእሲቲ ናይ ዞባና ሃገራት ውሽጣዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ኣጸጋሚ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ዝምድና ድማ ዝተተፋነነ ምዃኑ፡  ኣብዚ ዞባና ናይ ርሑቕ ሓይልትታ ኣእዳው እውን ነዊሕ እዩ። ኢትዮጵያን ሶማልያን ከተትዓርቕ ፈቲና ዘይሰለጣ ቱርኪ፡ ኣብ ሶማሊያ መደበራት ሓይሊ ምድርን ባሕርን ከፊታ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣላ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሶማሊያ መደበር መፈተኒ ኑክሌር ክትከፍት እያ ዝብል ሓበሬታ’ሎ። ኣብ መንጎ ቱርክን ግብጽን ንነዊሕ ግዜ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣብዚ እዋንዚ ይመሓየሽ ምህላዉ ከኣ፡ ኣብ ምቅርራብ ናይቲ ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፍ ዘሎ ሓይልታት ግደ ክህልዎ እዩ።

ሩሲያ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሱዳን ከባቢ ሰዋኪን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽ  መደብ ኣለዋ። ብዘይካዚ ሞስኮ  ምስቲ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ምስኣ ዝተሰለፈቶ፡ ኤርትራ ንምትብባዕ “ውጥም ቅልቅል” ትብል ኣላ። ካብ ባሕሪ ኤርትራ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ዘሎ ጻዕቂ መራክብ ውግእ ምዕራባውያን ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሩሲያ፡ ቻይና፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ህንድን ሕብረት ኤውሮጳን ዝኣመሰላ “ዓቕምን ጽልዋን ኣለና”  በሃልቲ ሃገራትን ዞባዊ ትካላትን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ይንቀሳቐሳ ምህላወን ኣብተን ሃገራት ኢድካ ናይ ምእታው ተልእኮ ከም ዝህልወን ዘመልክት እዩ። እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ናብ ዋሽንግተን፡ ሞስኮን በጂንግን እናጸዋዕካ ዝካየድ ዋዕላታት እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረኣይ ኣይኮነን።

ስለዚ እቲ ኣብ ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ከም ህግደፍ ንዝኣመሰሉ ካብ ዘቤታዊ ህዝባዊ ኣጀንዳ ዝሃድሙ መሕብኢ በዓቲ ፈጢሩ ዕድመኦም ስለ ዘናውሓሎም  ሓደገኛ እዩ። እዚ ኩሉ ሕልኽልኻት ኣብ ዝምዕብለሉ ከባቢ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ  ኣማዕዲኻ ኣብ  ምርኣይ ከይተወሰነ፡ ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምዕቃብ ተቐራሪቡ እጃሙ ዘይምርካቱ ተወሳኺ ሓደጋ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ናይ ክረምቲ ጸልማትን ደልሃመትን ሓሊፉ፡ ናብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መቐይሮ (ናይ ግእዝ ሓድሽ ዓመት)ን ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና። መጻኢና ጸላኢና ስዒርና ዝተረሓሓቐ ህዝብና ተቐራሪቡ፡  ኣብ ሃገርና ሰላምን ርግኣትን እነረጋግጸሉ ክኾነልና  ብስም መላእ ኣባላት ሰልፊ ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።

ምስ ኣኽብሮት

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

11 መስከረም 2024

ኣብ 1948 ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ  ዝዓበየን ዝተማህረን፡ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ ዑስማን ዓብደርሒም፡ “ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ስደት ዓሪፉ” ዝብል ዜና ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንና። ዑስማን ካብቶም ኣብ ሱሳታት ኣሰር በዓል ኣልኣሚን ዓብደላጢፉ ተኸቲሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደርፊ ዝጀመረን  ካብቶም ኣብቲ እዋንቲ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮም ደረፍቲ ሓደ  ኮይኑ፡ በተን፡

“ፍልስፍና ገድሊ ምግስጋስ ስምረት እዩ መባእታ፡ ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓደ ዋልታ። ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቓ ደንደስ ባሕሪ፡ ሎሚ ተዘኪሩኒ ዘሕለፍኩዎ ፍቕሪ። ኣብ ገዛና ዘሉኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ፡  ሕጅስ ንዑ ውጹ መጺኦም እዮም ስድራይ። ኣብዛ ዓለም ኣላይተይ፡ ኣደይ’ያ ወላዲተይ። ዓቕሊ ጽበት ኮይኑኒ ኣይከኣልኩን ንበይነይ። ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ ተሳቐኹ ዋይ ኣነ። ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ። ጸላም ብሮት ዘላታ ኣብ ምዕጉርታ።”  ብዝብሉን ካለኦት ሰሚዕካዮም ዘይምነዉን ዜማታቱ ዝፍለጥ ክኢላ ነይሩ።

መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እናበሉ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

8 መስከረም 2024

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ጉዕዞ ገደብ ናብ ኣሜሪካ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብርን ቀረጽን ምኽንያት ብምግባር ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ጽጉማት ኣካላት ቀልጢፉ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ሰባት እንተላይ ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ ዋጋ ነዳድን መጐዓዝያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቲ ነዳዲ ስለ ዝሓዝዎ፡ ኣብ  ረዲአት ናብ ጽጉማት ምብጻሕ ዕንቅፋት ይፍጠር ኣሎ ክብል ከሲሱ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋጋ ትራንስፖርትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአትን ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት ቅልጡፍ መእረምታ ንክገብር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማቴው ሚለር ኣብ  መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዳ ውግእ ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየለን ሃገራት ዓለም ኮይና ከም ዘላ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣተሓሒዙ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ክበጽሕ ዘለዎ ናይ ምትግባር ዓቕምን በቲ ኣብ  2018 ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም ክምእዘዝ ዘለዎ ቅሩብነትን ኣዛራቢ ምዃኑ ጠቒሱ።

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና

ርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ በኪንግ ከም ዝካየድ ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ዚኣዶንግ ንናይ ሃገሮምን ወጻኢን መድያታት ብዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም።

ኣብዚ ርክብ ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እናተመርሑ ከም ዝሳተፉ እቶም ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣፍሊጦም። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ርክብ ፕረዚደንት ቻይና ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን መደረኦም ኣብ መጻኢ ዝምድና ኣፍሪቃን ቻይናን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ዕቤትን ኣተገባብርኡን  ክጠቕሱ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣፍሊጦም።

ኣብዚ “ዘመናውነት ኣብ ምዕባይን ምህናጽ ማሕበረ-ሰብ ኣፍሪቃን ቻይናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝካየድ ርክብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ከም ዝሳተፉን ዝተፈላለያ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፈን ከም ዝዕዘባን እውን ተፈሊጡ። እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ብ2006 ኣብ በኪንግ፡ ብ2015 ኣብ ጆሃንስ በርግን ብ2018 ድማ ኣብ በጂንግ ዝተኻየደ ርክባት ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቶም ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ቻይና፡ ፕረሲደንት ሃገሮም ክሳብ ሎሚ 5 ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጽሑ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ንቻይና ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ኩበዖ እዩ ኢሎም፡ ኣብ መወዳእታ’ቲ ርክብ ናይ ሓባር መግለጽን ናይ ተግባር መምርሕን ክወጹ ትጽቢት ከም ዘሎ  ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ጀነራል ኣልቡርሃንን ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።

ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር  ፖ ሓ ኤ  ብጻይ ገብረዝጊሄር   ተወልደ  !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን  ኣባላትን  ፖ ሓ  ኤ ፡

ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ፡

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኤትርራ 2024 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ዓቢ ብስራት ረኺብና  ጊዜኡ ኣኺሉን እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት  ሓድነት ኣቀሚጡ  ሓደ ስጉምቲ  ንቅድሚት ሰጉሙ ሓደ  መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ  ክምስረት  ብሓባር  ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ  ደስ በለና  እናበአልኩ ብስም  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ሙዉቅ ናይ ቃልሲ ሰላምታን ናፍቆትን የቅርበልኩም-።  ደጊመ

መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ደስ በለኩም ደስ በለና  !!!! ዮሃና ዮሃና ዕዉት ታሪኻዊ ዋዕላ ፡ መርሓባ ሓዳስ ሓባራዊት መሪሕነት ፡ መርሓባ ሓዲሽ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ ብጻይ ገብረእግዚኣቢሔር  ተዎልደ   !!! ብልቢ እየ ዘፍቅረኩም ኣጀና ኣጆኹም !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል  ፡

በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት  ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት  ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን  ተኣልዩን  ሓርነት ንምልባስ  ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ  ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ንምቅራብ እዩ ።

ጽቡቅ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እቲ እንምነዮን ትጽቢት ዉጹዕ ህዝብናን ዝኾነ ምውህሃድ ፖሊቲካ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ተሳማሚዖም ብምስማዕና ድርብ ዮናን ዮሃና ንብል።

እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ  ኮይኑ ሎሚ  እንሆ መበል 38 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ከኣ ነምስግናም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ጽኑዓት  መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን  ተሳተፊቲ በዓልናን !!!

እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት  ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ  ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ  ኣፋኒና  ንኽብሪ ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮ። ቅድሚኡ እውን  ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ  ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና  ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ  ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ሕጂ ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉና ።  ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ  መድረኽ  እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና  ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል።  ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን  ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት  ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።

ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2024 ፡

   ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ  ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም  ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 33 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-

ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 33 ዓመት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ?  ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ  ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!!

ሕጂ እውን

ብሓድነት ንሓርነት  !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።

ፍራንክፎ ርት 10 08 2024