ብቐዳምነት ነዚ ንመበል 28 ዓመት ነጻነቱ ብልዑል ናይ ይኣክል ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ብዝብል ጭርሖ ዘኽብር ዘሎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዮውሃና እብል። ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ን27 ዓመታት ረሚሱዎ ዝነበረ ሕማም ስቕታ ተገላጊሉ ተጻዒኑዎ ዘሎ ስርዓት ንምልጋስ ኣብ ሓያል ጥምጥም ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ትበዓል ስለ ዘላ ዝያዳ ኩለን ዝሓለፋ ዓመታት ዝኸበረትን ዝዓዘዘትን'ያ። እዚ ነቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና እቲ “ኣቲ ኤረይ ኩሕሎ ሽዋ ኴንካዶ ኣስመራ ይሕሎ“ ተባሂሉ ዝድረፍ ዝነበረ፡ ሎሚ ድማ ወዲ ኤረይ ኩሕሎ ክቡር ነጻነትካዶ ብጸጥታ ሃገራዊ ድሕነት ይሕሎ ዘስምዕ ቃና እናዘመረ፡ ትመጽእ ዓመት ጽንብል ነጻነት ብሓባርን ብዘይሓለዋን ስግኣትን ስክፍታን ኣብ ትብዕለሉ ብርሃን ሓርነት ከሰጋግራ ብነድሪ ምብጋሱ ዝሕብር ምልክት'ዩ ። በዚ ምኽንያት  መበል 28 ዓመት ነጻነት ድሮ ሓርነት ምልክት ጩራ ብርሃን ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ምባላ ምግናን ኣይከውንን።

እዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ውጽኢት ናይቲ ንዘመናት ክንገረናን ግን ከኣ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦን መጸዋዕታ ንፍትሓዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ነቶም ሃገራዊ ሓላፍነት ደሪኹዎም ብድፍረት መጻኢ ሂወት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ እዋን ምምሕዳር ህግደፍ ንጹር ሚዛኖም ዝሃቡ ውልቀሰባት ውድባት ማሕበራት ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም።

ኣብዚ ብኣብነት ዝጥቀስ ፡-

1 – ተስፋሚካኤል ጆርጆ እዚ ክሳብ ሎሚ ንሃገርና ዝርምስ ንህዝብና ዝብትን ዘሎ ስርዓት ውሽጣዊ ባህርያቱን ሕቡእ ዕላምኡ ሰራውር ምትእስሳሩን ዝገለጸ፤

2 – እቶም ልዑል ፍቕሪ ንህዝቦም ዘለዎም ኣብ መንጎ 2 ውድባት ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ንምትዕራቕ ብ1974 እኹል ትሩፍ ጻዕሪ ዝገበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ኣጉስጢኖ በቲ ምስ ተጋዳላይ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ናይ ተሓኤን ምስ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፎርቂ ናይ ህሓኤን ዝገበሩዎ ዝርርብ ዝበጽሑዎ ሚዛንን፡ ኤርትራ ብህሓ ነጻ እንተወጺኣ እታ ሃገር ቤት ማእሰርቲ ህዝባ ከኣ እሱር ክኸውን'ዩ ዝበሉዎን ዘይተሰምዐን ሎሚ ዘሎናዮ ህያው ምስክር'ዩ። እዚ ትንቢት እዚ ዝሕብሮ ነገር እንተልዩ፡ እዞም ፈላሲ ብዝቐሰሙዎ ናይ ስነ-ኣእሙራዊ ፍልስፍና፡ ክሳብ ክንደይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ. ተጠኒሱ ዝነበረ ህግደፋዊ ድቂ ክርድእዎ ምኽኣሎም ዘነጽርን ዘገርምን ብስለቶም እዩ።

3 – ኣብ ድሮ ረፈረንዱም ብምዑታት ኣባላት ሰራዊት ሓኤ ዝተገብረ ኣድማ ንፍትሒ'ምበር ንውልቃዊ ረብሓ ኣይነበረን።

4 – በቶም ሰነድ ታሪኻዊ ጅግንነት ዝኾኑ ኣካለ ስንኩላን ዝተገብረ ኣድማን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅንጸላን፤

5 – በቶም ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣባላት መሪሕነት መንግስትን ምኒስትራትን ዝተገበረ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ስግግርን ዝወረዶም ዘይፍትሓዊ ፍጻሜን ርኢኻን ሰሚዕካን ምጽቃጥ ዝፈጠሮ ዕንደራ ኣብዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና ኣሰካፊ ኣተሃላልዋ ምብጻሕ ናይ ኩልና ጥፍኣት ወይ ሓጥያት ምዃኑ ዘይከሓድ'ዩ።

እዚ ሕጂ ብኣዝዩ ርሱን ናህሪ ዝበጋገስ ዘሎ ተበግሶ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ዋላ ምስቲ ኣብ ከባቢና እንዕዘቦ ባኒ ከቢሩና ናብራ ከቢዱና ኢሎም ብብዝሒ ኣዲሞም ስርዓት ዝቐየሩ ኣህዛብ ዘይዛመድ ኣዝዩ ደንጕዩን ድሕሪ መዘና ዘየብሉ ክሳራን ዝመጸ እንተኾነ ሸቶኡ ከይወቕዐ ከም ዘይተርፍ ግን ሕሉፍ ታሪኽና ናይ ትማሊ ምስክር'ዩ።

እዛ ሎሚ ዓመት እነብዕላ ጽንብል ነጻነት እምበኣር መደምደምታ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን መሰጋገሪት ናብ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ናይ ምግባራ ዝዓግት ሓይሊ ከም ዘይህሉ ተበጊሱ ዘሎ ነድሪ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዘየወላውል ዋሕስነት ዓወትና'ዩ። እዚ ናይ ይኣክል መቓልሕ ኣብ ግብራውን ቅልጡፍን ሱናምያዊ ሓይሊ ተቐይሩ ንስርዓት ህግደፍ ጸራሪጉ ኣብቲ ንጨቖንቲ ዝተዳለወ ጉሓፍ ክድርብዮም ዘኽእል ቅኑዕ ጐደና ቃልሲ ክሕዝ ግን ሓደን መሰረታውን ኣማራጺ'ዩ።

ንሱ ድማ፡-

1 – ኩሉ ይኣክል ዝብል ድሌትን ዓቕምን ብዘይካ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ከም ዘይብሉ ኣሚኑ ኣንጻሩ ክሰርሕ፤

2 – ካብ ኩሉ እቲ 27 ዓመታት ከይነድምዕ ዓንቂፉና ዝነበረ ብልሹውን ዘይሓላፍነታውን ኣተሓሳስባ ተነሲሕና ነጻ ክንከውን፤

3 – ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ነንኽእሎ ከነበርክት፤

4 – ተበግሶና ዝጥርንፍን ስልጡንን ንጹርን መልክዕ ውደባ ክሕዝ፡ ንሱ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝእከበሉ ንምልመላን ምልዕዓልን ዝነጥፍ ብመንእሰያት ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ክቐውም፤

5 እዚ ሓይሊ ዕማም'ዚ ብደረጃ ከተማ ሃገር ኣህጉር ዝዓብን ዘተኣሳስሮ ሕጋዊ ጐደና ክህልዎን፤

6 – እቲ ብደረጃ ኣህጉር ዝተጠርነፈ ማእከል ሓይሊ ድማ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ብኩሉ ንውልቀ መላኺ ዝለግሰሉ መደብ ሓንጺጹ ክሳብ ምስግጋር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክመርሕ።

7 – እዚ መስርሕ'ዚ ድማ ካብ ዝነኣሰ ኣካል ሓይሊ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ መሪሕነት ዘራኽብ ንጹርን ኣብ ኩሉ ዝበጽሕን ብኩሉ ዝትግበር ኣብ ኩሉ ቦታን ብሓደ ሰዓትን ዕለትን ዝትግበር መደብ ኦዮ ኣብ ምትግባር ምሉእ ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ክኸውን።

ነዝን ካብዚ ዝሓሸ ኣማራጺ ምስ ዝቐርብን ተኸቲልና እንተዘይሰሪሕና ግን እዚ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበላዊ ሓይሊ ለሚሱ ተስፋ ብርሃን ጸሓይ ከምቶም ከይተጠቐምናሎም ዘምለጡና ወርቃውያን ዕድላት ከይከውን ዋሕስነት የብልናን። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ እንተልዩ እቲ ብኣብ ድያስፖራ ዝነበሩ ምሁራት ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝድህስስ መጽናዕታዊ ተበግሶ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ብጨቋኒ ስርዓት ስለ ዝተነፍጎ እምበር ብስእነት ኣፍልጦ ሕግን ዘይምእዙዝነትን ዝተዘርገ ናብራን ዝተበተነ ህዝቢ ዘይምንባሩ እዩ። እዚ ብምሁራት ዝግበር መጽናዕትታት ድማ ንዝነበረና ብቕዓትን ዓቕምን ዝጐልሕ ስለ ዝኾነ ንኩሉም ኣብዚ ዓውድታት ዝነጥፉ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን አቕርበሎም። እቲ መጽናኦቲ ተወዲኡ ኣብ መጋባእያ ክቐርብን ብህዝባዊ መንፊት ሓሊፉ ድልው ሰነድ ንምስግጋር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከገልግል ብዝከኣል ጽፈትን ቅልጣፈን ክዳሎ ተስፋ እገብር።

ጽንብል ነጻነት ሎሚ‘ውን ስርዓት ህግደፍ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ዘደናግረሉ ብልሓት እናመሃዘ ኣብ ባይታ ዘየሎ ብቲቪ ኤረ ጌሩ ዓለም ዝጐብእ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ክግዕር ይርአ‘ሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕፍርን ነውራምን ባህርያቱ ዘንጸባርቕ ከኣ ነቲ ዕብዳኑ ክገልጻ ዝተሰርሓ ብግልብጭ ቁኖን ሒናን ዙርያን ወርቅን እምበር ልቦናዊ ጽባቐ ዝጐደለን ደቂ ሃገር ወዛሕዛሕ ዝብላሉ እሽም-ንጥፍኣቱ ዘጽልል ኣደራሽ ንምምዋል ካብ ድራር ዕለቱ ዘይረኸበ ህዝቢ ዝኣርዮ ዘሎ ገንዘብ ምዃኑ‘ዩ። ይኹን‘ምበር ዳስ ይስራሕ መደናገሪ መደረ ይለፍልፍ ህዝቢ ኤርትራ ይኣክል ምድንጋር ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ ሽጣራኻ ደውር ኢሉ ዝተሰለመ ዳስ ሓውያ ክትመስል ገረውረው ከም ዘብላ ከይደቀስካ ዝሕለም ጉዳይ‘ዩ።

እቲ ብልዑል ናህሪ ንለውጢ ተበጊሱ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ግን ቀንዲ ኣድህቦኡ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ዘይኮነስ ኣብ -

1 - ሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ዓወቱን ዝሃቦ ፍረን፤

2 - ካብ ነጻነት ክሳብ ሎሚ ዘሎን ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ጠንቁን፤

3 - ንምቕያሩ ክውሰዱ ዘለዎም ተግባራትን መሳርሒታትን ኣድማዕቲ መደባትን፤

4 - ኣብ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ዝህነጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራን ተራ ህዝቢ ኣብ ምህናጹን ምክትታሉን፤

5 - ካብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ምስግጋር ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ህዝቢ ዝወስድ ገደብ ግዜን ኣገባብን ብመልክዕ ዘተን ዓውደ ክትዕን ዝበሰለን ንጹር መምርሒ ስኢልካ ንምትግባሩን፤

6 - ሕድሪ ሰማእታትና ዝምልስ ማዳ ኣዴታትና ዝፍውስን ንብዓተን ዝሕብስን ኩልና ኤርትራውያ ብሓጎስን ብደስታን እነብዕሎ ነጻነት ንምርግጋጽ ቃል ኪዳን እንኣትወሉ ጽንብል ነጻነት እዩ ክኸውን።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብሓፈሻ ንሃይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደቀንስትዮን መንእሰያትን ተረካቢ ሕድሪ ወለዶ ኤርትራን ፍሉይ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እዋኑ እመስለኒ።

ዝኸበርኩም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ -

ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚርኩም ሓለፋስ ይትረፍ መጠናዊ ክፍሊት ከይረኸብኩምን ብዘይዕረፍትን ብጸጋም ብየማን ኣብ ዝተወልዐ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ኣናተጠብስኩም ትስውኡን ትስንክሉን ግዳይ ትኾኑ ዘለኹም ንስኹም ኢኩም። ብድሕሪ ነጻነት ጥራሕ ብመስዋኣቲ ኣምዑት ዘይቈጸሩ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ካባኹም ንላዕሊ ዝምስክር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ኣይከሰርናን ምባል‘ዚ ገበነኛ ኢሳያስ ልዕሌኹም ክሰምዖን ክቐብጾን ዝግብኦ ኣካል ኣሎ ኣይብልን። ካብ ከምዚ ዝበለ ሃገራዊ ክሕደት ዝፍጽም ስርዓት መሰልን ፍትሓዊ ምሕደራን ምጽባይ የዋህነት ስለ ዝኾነ ንምእላዩ ኣብ ዝግበር ናይ ይኣክል ተበግሶ ምስ ህዝብኹም ወጊንኩም ሃገር ከተድሕኑ ምሕጽንታ መላእ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ‘ዩ። 

ዝኸበርክን ኣዴታተይን ኣሓተይን ደቀይን ወዓሩ ኤርትራ -

 

ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ከይዓንቀፈክን ብረት ተሓንጊጥክን ኣብ ውሽጢ ድማ ነቲ ኩሉ ኣብ ልዕሌኽን ዝወርድ ዝነበረ ጸጥታዊ ሓደጋታት ተጸሚምክን ምስጢር ሰውራኽን ዓቂብክን ቅያ ብምስራሕ ኣብ ዓወት ዘብጻሕክን ንስኽን ኢኽን። ኣደ 10 ብዓሰርቲኦም ኣደ ሓደ‘ውን ሓዲኣ ከይበቐቐት ነጻነተይ ስልማተይ እናበልክን ሓይሊ ሰውራ ዘጐልብት ታሪኽ ዘይርሳዕ ጀግንነት ዝፈጸምክን ንስኽን ኢኽን። ኣብዛ ህዝቢ ኤርትራ ጻምኡ ዘይተኸፍለላ መሊኣ ዘይበረቐት ጸሓይ ነጻነት ድማ ልዕሌኽን ዝተበደለን ዝሓዘነን መሰሉ ዝተነፍጎን የለን። እዚ ስርዓት ክቅጽል ስቕ ምባልን መሪር ሂወትና ኣብ ዝኸፍአ ንክበጽሕ ምሕጋዙን ሃገር እናዓረበት ጽቡቕ ኣላ ምባልን ብምቍራጽ ኣብዚ ነዚ ስርዓት ንምቅባጽ ዝካየድ ዘሎ ርሱን ተበግሶን ሓመድ ድበ ህግደፍ ክትሳተፋ ዕድመ ኩሉ ደላይ ፍትሒ‘ዩ።

ዝኸበርኩም ናይ ሎሚ ሰዊት ናይ ጽባሕ ፍረን ወረስትን ሃገር ዝኾንኩም መንእሰያት ኤርትራ - ነዛ ኣቦታትኩምን ኣዴታትኩምን ኣያታትኩምን ኣዳኖታትኩምን ዘይዓገቡላ ግን ከኣ ሰዊት ዕድሜኦም ጥራሕ ዘይኮነስ ንስኹም ብራህዋን ብሰላምን ሓንቂቕኩም ክትነብሩላ ምእንቲ ክትክእሉ ካብ ክቡር ሂወት ክሳብ ዘይጽገን ስንክልናን ከፊሎም ዘምጽእዋ ሃገር‘ያ። ስለ ዝኾነ ነጻነት ኤርትራ ፈቲኻ ዘትትኮብ ጸሊእካ‘ውን ዘይትሕደግ ግርማ ልዑላውነት ዝለበሰት ሃገር ስለ ዝኾነት ነቲ ጐዲሉዋ ዘሎ ብርሃን ሓርነት ንምልባስ ናትኩም ናይ ደቂ ግዜ ምዃኑ ተረዲእኩም እጅገኹም ሰብሲብኩም ኣንጻር‘ዚ ሕንግድ ስርዓት ገጢምኩም ከተቃብጹዎን ሃገራዊ ዕዳኹም‘ዩ። ነዚ ዕላማ‘ዚ ንምስልሳል ከኣ ሓገዝ ኩሎም ምሁራትን ምኩራትን ዜጋታት ብሓፈሻ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ከይፍለየኩም ድማ ቃል ንኣትወልኩም።

ኣብ መደምደምታ ድማ ንኩሉ ደላይ ሰላምን መሰረታዊ ለውጥን ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዘይካ ስርዓት ህግደፍ ንጥፍኣትካ ዝምነ ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብ ቀረባ ከም ዘይብልካ ኣሚንካ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕባሩ ኣብ መቓብሩ ፍትሓዊትን ኩሉ ዝነብራን ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ብቆራጽነት ተለዓል።

ፍትሒ ይንገስ !
ስርዓት ህግደፍ ይደምሰስ!

ውድብ ናይ ሓባር ዕማም ዘለዎም ሰባት ናይ ሓባር ዕማሞም ንምዕዋት ዓቕሞም ንምትርናዕ ዝፈጥርዎ ናይ ሓባር መድረኽ እዩ። ውድብ ናብቲ እትብህጎ ዓወት ዘብጽሕ መሳርሒ እምበር ንገዛእ ርእሱ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣይኮነን። ኣወዳድባ ዝተፈላለየ መልከዓት ክሕዝ ይኽእል። ፖለቲካዊ ውደባ ወይ ሲቪላዊ ማሕበር ካብቶም ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ኣገባብ ውደባ እዮም። እቲ ፍልልይ ኣብቲ መልከዖም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ከዕውትዎ ዝደልዩ ዕላማን ክበጽሕዎ ዝደልዩ ርሕቀት እውን ይፈላለ። ፖለቲካዊ ውድባት ንጹር ከዕውቶ ዝደሊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወኒኑ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምውድዳር ሕሳብ ኣለዎ። ሲቪላዊ ማሕበር ድማ ነቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብቲ ዝተሰለፈሉ መስመር ወጺኡ መሰል ህዝቢ ከይግህስ ዝጓስን ዝድርኽን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ክሕዝን ዓቕሚ ክድልብን ዝድርኽ ኣብ ስልጣን ናይ ምውድዳር ጠመተ ዘየብሉ እዩ። ኩሎም ፖለቲካዊ ውድቦም ይኹን ሲቪላዊ ማሕበሮም ብዘይካቲ ከዕውትዎ ዝሕዝዕላማ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝቕየድልዩ ሕግን ስርዓትን፡ ፈትዮም ቆጽሊ ዘውደቕሉ መሪሕ ኣካልን ክህልዎም ናይ ግድን እዩ። እዚ መሪሕነት ዝምዘዘሉ ሕጋዊ መድረኽን ዝመርሓሉ መትከላትን ፖሊስታትን ድማ ይህልዎ። ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ማዕዶ ንማዕዶ ዝጠማመቱ ዘይኮኑ፡ ነንሕድሕዶም ዝደጋገፉን ዝመላልኡን እዮም።

ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሲቪላዊ ማሕበር ናይቶም ፈትዮም ናታቶም ኣባላት ክኾኑ ዝወሰኑ ኣካላት ውክልና ጥራይ እዩ ዘለዎ። እዚ ውድባታት ምእንቲ ክዓብን ክሰፍሕን  ዕላማኡ ሒዙ ኣብቲ ዘይተወደበ ሓፋሽ ክንቀሳቐስ መሰሉን ቀንዲ ዕላምኡን እዩ። ከከም ዝሓዞ ዕላማን ዝተንቀሳቐሶን ከኣ ሰዓቢኡ ክበዝሕን ክውሕድን ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ሓንሰብ ስለ ዝተወደ ጥራይ ሓያልን ተዓዋትን ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ዕዉት ምእንቲ ክኸውን ነቲ ንድሌት  ህዝቢ ብግቡእ ዘንጸባርቕ ዕላማኡ ሒዙ በብግዜኡ ምስ ዝፍጠሩ ምዕባለታት ክጐዓዝን ነብሱ ከሕድስን ይግበኦ።

ሓደ ውድብ ምስተወደበ ገዝኡ ዓጽዩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ምስቲ ከምኡ ውድባትን ማሕበራትን ዝምድና ክፈጥርን ኣብቲ ብሓደ ዘስርሕ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ እንተዘይበቒዑ መድረኽ ገዲፍዎ ከይዱ ካብ መድረኽ ክወጽእ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ውድቀት እቲ ዘዛርብን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱን፡ መሰረታዊ ኣድላይነት ውደባ ዘይኮነ፡ ነቲ ውድብ ከምቲ ዝድለ ክትመርሖ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሓደ ውድብ ብሰንኪ ዘርኣዮ ድኽመት ንመሰረታዊ ኣድላይነትን ወሳንነት ውደባ ሓጢጥካ ምኹናን ግና ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን።

ናይ ውድባት ምህላው ንህዝባዊ ምልዕዓላት ዘዕንቅፍ ዘይኮነስ እኳደኣ ዘተባብዕን ኣካሉ ኮይኑ ዝሰርሕን እዩ። ኣብ ርእሲዚ ውደባ ነቲ ዘይተወደበ ኣካል ንክውደብ ዘተባብዕን መንግዲ ዝጸርግን እምበር  ጅሆ ዝሕዝ ኣይኮነን። “ውድባት ኣካይደአን ምስ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራውያን ንርእዮ ዘለና ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ከም ዘሳኒ ክገብረኦ ይግበኣን” ዝብል ግና ቅቡል እዩ። መሰረታዊ ሕመረት ውደባ ሓደ ዓይነት ዕላማ እንዳሃለዎ በበይኑ ዝወፍር ዓቕሚ ኣብ ሓደ ኣራኺብካ ዘተኣማምን ዓቕሚ ምፍጣር ካብ ኮነ፡ ኣድላይነቱ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና መስርሕ ለውጢ ወሳኒ እዩ። እቲ ሓሓሊፉ ለውጢ እንዳበሃገስ መሰረታዊ ናይ ለውጢ መሳርሒ ንዝኾነ ውደባን ውድባትን ዘይቅበል፡ ሳሕቲ ከኣ ንቁልቁል ዝኣፉ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝብል ስምዒታት ምናልባት ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል፡ በተን ክሳብ ሕጂ ማዕረ ድሌት ህዝብናኳ ክኾና እንተዘይከኣላ ካብ ቃልሲ ግና ዘይበኾራ ውድባትና ሕጉስ ዘይምዃን ዘስዓቦ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ይከኣል። ብዝኾነ ምኽንያት እምበኣር እቲ መደምደምታ ከምኡ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ጸገም ኣብ ኣድላይነት ውደባ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣድማዕነትን ኣካይዳን ናይተን ውድባት ምዃኑ ኣነጺርካ ምርዳእ የድሊ። ድሕሪኡ ከኣ “ኣነኸ ነተን ውድባት ካብቲ ዝጸንሓኦን ዘለዋኦን ጸገም ክወጻ እንታይ ኣበርኪተ?” ኢልካ ንነብስኻ ምሕታት እውን ካብ ጌጋን ስምዒታውን መደምደምታ ዘድሕን እዩ ዝኸውን።

እቲ ናይ ሓደ ውድብ ጸገም ብመሰረቱ ካብቲ ዝመረጾ ኣገባብ ኣወዳድባ እንተኾይኑ እውን፡ ዝሓሸ ናትካ ኣገባብ ኣወዳድባ ሒዝካ ክትወዳደሮን ተወዳዲርካ ክትስዕሮን ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ውድባት ነቲ ተወዲብካ መቃለሲ ፖለቲካዊ ሜዳ ስለ ዘይሓዝእኦ ወይ ዘይብሕተኦ። ንቑልቁል ዝኣፉ “ኣይትወደቡ ወይ ውድብኩም ኣፍርሱ” ምባል ግና መሰል ምግሃስ እውን እዩ። ምኽንያቱ ምውዳብ ሓደ ካብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰላት እዩ። ንጉጅለ ህግዲፍ ካብ እንቃወመሉ ዘለና ብዙሕ ምኽንያታት ሓደ እውን ነዚ መሰረታዊ ናይ ምውዳብ መሰል ስለ ዘየፍቅድ እዩ።

መዓስ ኢኻ እትውደብ፡ በቶም ነቲ ናይ ውምዳብ ምርጫ ብዝወስዱ ኣካላት ዝውሰን እዩ። ውደባ ናይ ቃልሲ መሳርሒ እዩ ኢልና ኣለና። ብመንጽርዚ ኣብዚ ህግዲፍ ንምውጋድ እነካይዶ ዘለና ውዑይ ቃልሲ ውደባ ቀንዲ መሳርሒና እዩ። ስለዚ ሕጂ ዘሎ ውድባት ኣፍሪስና፡ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ንምለሶ ዘይኮነስ፡ ንህግዲፍ ኣብ ክንዲ ናብ ደቀቕቲ ውድባዊ ጉዳያት፡ ናብ ዓበይቲ ኤርትራዊ ዛዕባታት እንዳጠምትና፡ ብውዱብ ኣገባብ ኢና ከነወግዶ እንኽእል። ብርግጽ እዚ ዘለና ውድባት ነሕይሎ፡ ኣብ ክንዲ በበይኑ ዝወፍር ብሓባር ዝሰርሓሉ ባይታ ንፍጠረሉ ዝብሉ ሓሳባት ቅቡላትን እዋናውያንን እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ከኣ ንቕሎ “ይኣክል” ደፊኡ ምስመጸ በብኹርናዑ ነናይ ከባቢኻ ወከልቲ ናይ ምምራጽ ተበግሶ ንርኢ ኣለና። ነዚ ናብ ላዕለዋይ ንኹሉ ዘማእክል መሪሕነት ኣካል ናይ ምድያቡ መደብ ከም ዘሎ ከኣ ንርኢ። ደሓር ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምስ በጸሐከ እንታይ እዩ ክገብር’ኳ ምንጻር ዘድልዮ እንተኾነ፡ ንገዛእ ርእሱ ዲዕ ዝበለ ውደባ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ውደባ እንዳተኻየደ “ሕጂ ህሉዋት ውድባት ይፍረሳ ደሓር ህግዲፍ ምስ ወደቐ ይውደባ” ምባል እቲ ጸገም ምስ መትከላዊ ኣድላይነት ውደባ ድዩ ወይስ ምስ ህሉዋት ውድባት ዘብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ምናልባት እዘን ህሉዋት ውድባት እንተዘይ ዓጅበናኻ ከተዕሪ እንትኽእለሉ መንገዲ፡ ወይ ንዓኣተን ምትብባዕ ወይ ድማ ካብኣተን ዝሓሸ ተወዳዳሪ ውድብ ኮይንካ ብምቕራብ ጥራይ እዩ። እንተ ውደባን ውድባትን ኣብ  ክትቃሲ ኣንጻር ህግዲፍ ኮነ ብቑዕ መተካእታ ኮይንካ ንምቕራብ ዘይስገር እዩ።

EYC 1

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳክራመንቶ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ውሒዞም ናብቲ ብማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳለወ ናይ “ይኣክል ምንቅስቓስ” ዝተሳተፍዎ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ብ18 ግንቦት 2019 ኣብ ከተማ ኦክላንድ፣ ሰሜን ካሊፎርንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ብሓልዮት ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ፣ ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎ ምንባሩ ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ። 

EYC 6

ንትሕዝቶ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ብኣጀንዳ ሰሪዑ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ብመሪሕነት ኣቦ መንበሩ ኣቶ ማእከለ ተስፋማርያም እምባየ እዩ ነይሩ። ኣቶ ማእከለ ብዘጋጠሞ ኣሰንባዲ ሃንደበታዊ ሞት ካባናን ካብዛ ዓለምን ብምፍላዩ፡ ኣኼበኛታት መሪር ሓዘኖም ገሊጾም። ንመስመር ቃልሱ ብዕቱብ ንምቕጻልን ናይ ስድራ ቤቱ ሓላፍነት ክስከሙ ምዃኖምን እውን ተሳተፍቲ ቃሎም በብተራን ብሓባርን ገሊጾም።

አብ’ቲ ን24 – 25 ግንቦት፣ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝካየድ ናይ ሰሜን አመሪካ ናይ ይኣክል ሽማግለ ሰሚናር፣ ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወኪላ እትሳተፍ ሰለስተ ዝአባላታ ግዝያዊት ሽማግለ ተዳልያ ከምዘላ ተገሊጹ። መነመን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፣ ዝተወሃሃደ ዕቱብን ውዱብን ቃልሲ ንምክያድ “እንታይ ይገበር” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ክትዋሳእ ምዃና’ውን መብርሂ ተዋሂቡ።  

ብስውእ ማእከለ ተስፋማርያም እምባዬ አብ ዱሮ መስውእቱ ዝተዳለወ ጽሕፍ ቀጺሉ ዝተነበበ፡

https://youtu.be/kSldOZ2O6uM

EYC 2

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ነበርቲ በይ ኤርያ፡ ናብዚ ብዓይነቱ ፍሉይን ብኣገዳስነቱ ከኣ ዕዙዝ ሓድሽ ትንሳኤ ምትእኽኻብ፡ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ሓድነትኩም ደሪኽኩም፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ክትዝትዩን ክትመኽሩን ስለ ዝመጻእኩም፡ ብስም በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጥን ብስም እቲ ውጹእ ህዝቢ ኤርትራን ዝኸበረ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ መሪር ተጋድሎ ኣሕሊፉን መወዳድርቲ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉን ከይኣኽሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም፡ ፍጡር ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ግፍዕን መከራን ኣብ ልዕሊኡ ይፍጸም ምህላዉ ከይኣክል፡ ህዝቢ በታቲንካ ንኤርትራውያን ደቀባት ብጋህድን ብስውርን ብምቕንጻል፡ እንሆ ናይ ሃገር ልኡላውነት ኣብ ፍጹም ሓደጋ ወዱቑ ይርከብ ኣሎ፡ ነዛ ብኽቡር ዋጋ  ዝተረኽበት ሃገር፡ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ንቡር ክንመልሳ፡ ናይ ነፍወከፍና ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ።

EYC 3ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፡ እዚ ኣብ ሕሱም ጭቆና ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ኣብ ድያስፖራ እንነብር ኤርትራውያን፡ እዋናዊ ለበውኡ ከምኡ’ውን ከም መጠን ደቁ ዝሓተና ሕቶ እንተልዩ፡ ኩሉ ሓይልናን ጸጋታትናን ኣወሃሂድና ብሓባር ኰንና ከም ሓንቲ ስድራ ኣብ ሓደ ጽላል ኣጽሊልና ካብ ጭቆናን ዳግማይ ስውር መግዛእትን ሓራ ንኽወጽእ ዝለዓለ እጃም ክንጻወት፡ ካብቲ ዘለውዎ ሕሱም ጭቆናን ሓያል ጻዕረ-ሞት ዝተሓወሶ ሻቕሎትን ይላበዉናን ሓገዝኩም ኣይፈለየና ይብሉ ኣለው። ነዚ ለበዋ ክዉን ንምግባር ግን እቲ ኣማራጺ ዘይርከቦ ብሓባር ምስራሕ ጥራይ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ንፈላለየሎም ንሰማምዓሎም ጉዳያት ስለዝበዝሑ፡ ብሓደ ዀንና ጸላኢና ካብ ምጽራግ ካልእ ኣማራጺ ከቶ ኣይክህልወናን እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ እምበኣር ደቂ ሓንቲ ስድራ ክነስና፡ ኣብ ዝተፈላለየ መኣዲ ክንቋደስ ዝጸናሕና ግን ከኣ ዓጊብናሉ ዘይንፈልጥ መኣዲ ገዲፍና፡ ዳግም ናብ ናይ ሓባር መኣድን ፍቕርን ተመሊስና ታሪኻዊ ሓድነትና ንምምላስ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ኤርትራዊ ሓቦን ኒሕን ንምብርባር ብሓባር ክንዝቲ ምብቃዕና፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክበሃል ይከኣል።

EYC 4

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ዝጫጫሕ ወዳበ፡ ናብ ካልእ ጓል መንገዲ ዝወስድ ምክፍፋል ዘይኮነ ዘድልዮ፡ ኩላትና ብሓባር ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ወፈራ ክንገብር እዋኑ ዝጠልቦ ከምዝኾነ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓድነት ሓይሊ እዩ ምክፍፋል ግን ብኣንጻሩ ሕሰምን መከራን ህዝቢ የናውሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ህዝቢ ንቐጻልነት ህላወና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ከምዝኾነ ሕሉፍ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፍናዮም 28 ዓመታት ህያው ምስክር እዮም።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ኣብ ምትግባር ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን፡ ኮይኑ ግን ኣብ ሱታፈ ህዝቢ ሕጽረታት ስለዝነበረ፡ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ንምስጓም ክጽገም ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ሎሚ ጀሚርና ዘድሊ ምትዕርራያት ጌርና ብናይ ኩልና ሓያል ተሳትፎ፡ ዕምሪ መላኺ ንምሕጻርን ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ንምውጋድን ብሓባር ይኣክል ንብለሉ ሰዓት ሕጂ እዩ። ክብርታትና ኣምሊስና ኣብዛ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ህዝብና እፎይ ኢሉ ብልዕልና ሕጊ ተመሪሑ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ክንፈጥር እቲ እንኮ መፍትሒ ሓድነት ጥራይ እዩ።

አብ ትሕቲ ጭርሖ “ይአክል” ኤርትራውያን ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና አሎና!

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና

ክንዕወት ኢና

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብቲ ኣኼባ ብቛንቃ`ታት ትግርኛን ዓረብኛን ካብ ዝቐረበ ጭርሖታት ቀጺሉ እነሆ፡

ይኣክል ንውልቀ ምልኪ

ይኣክል ንግህሰት ሃይማኖታዊ መሰላትና

ይኣክል ምጥላዕ ብልዑላውነት ሃገርና

ይኣክል ንወገነይ ወገንካ፡ ንኣውራጃይ ኣውራጃኻ

ቅዋምና ክትግበር፣ ዶብና ክሕንጸጽ፣ እሱራትና ክፍትሑ ብሓባር ንቃለስ

ይኣክል ንስቕታ፡ ይኣክል ንዅሉ ምፍልላያትና፡ ይኣክል ንዅሉ ጸገማትና !!!

https://youtu.be/uXAATR7TAbw

EYC5

ኣብቲ ገዳይም ተቓለስቲ፣ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብተራ እናተንስኡ ዘስምዕዎ መደረታት፡  ሓድነትና ኣትሪርና፣ ብምክብባርን ምጽውዋርን ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን ዝጽውዕ ብምድግጋም ተቓሊሑ።  ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዓወት ተቓሊሑ ኣሎ፡ ካብዚ ቀጺልና ናብ ደረጃ ሓዞ-ሓዞ ከነሰጋግሮን ንውልቀ መላኺ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንድምስሶን ንለዓል እውን ተባሂሉ። ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ተሳትፎ ዘይጸንሖምን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ምስታፎምን ብምሕባር፡ ኣብ ማሕበርን ንጥፈታቱን ብኣባልነት ክሰርሑ ዘፍለጡ’ውን ብዙሓት ነይሮም።

ክንዕወት ኢና

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

                          አብ ትሕቲ ምንቅስቓስ “ይክል” ኤርትራውያን ንኽንሰማማ ተሰማሚዕና አሎና!

Bay area 1

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳክራመንቶ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ውሒዞም ናብቲ ብማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳለወ ናይ “ይኣክል ምንቅስቓስ” ዝተሳተፍዎ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ብ18 ግንቦት 2019 ኣብ ከተማ ኦክላንድ፣ ሰሜን ካሊፎርንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ብሓልዮት ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ፣ ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎ ምንባሩ ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ። 

                                                                                                                                      https://youtu.be/kSldOZ2O6uM

Bay area 2

ንትሕዝቶ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ብኣጀንዳ ሰሪዑ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ብመሪሕነት ኣቦ መንበሩ ኣቶ ማእከለ ተስፋማርያም እምባየ እዩ ነይሩ። ኣቶ ማእከለ ብዘጋጠሞ ኣሰንባዲ ሃንደበታዊ ሞት ካባናን ካብዛ ዓለምን ብምፍላዩ፡ ኣኼበኛታት መሪር ሓዘኖም ገሊጾም። ንመስመር ቃልሱ ብዕቱብ ንምቕጻልን ናይ ስድራ ቤቱ ሓላፍነት ክስከሙ ምዃኖምን እውን ተሳተፍቲ ቃሎም በብተራን ብሓባርን ገሊጾም።

Bay area 3

አብ’ቲ ን24 – 25 ግንቦት፣ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝካየድ ናይ ሰሜን አመሪካ ናይ ይኣክል ሽማግለ ሰሚናር፣ ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወኪላ እትሳተፍ ሰለስተ ዝአባላታ ግዝያዊት ሽማግለ ተዳልያ ከምዘላ ተገሊጹ። መነመን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፣ ዝተወሃሃደ ዕቱብን ውዱብን ቃልሲ ንምክያድ “እንታይ ይገበር” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ክትዋሳእ ምዃና’ውን መብርሂ ተዋሂቡ።  

Bay area 4

                                                                   ብስውእ ማእከለ ተስፋማርያም እምባዬ አብ ዱሮ መስውእቱ ዝተዳለወ ጽሕፍ ቀጺሉ ዝተነበበ፡

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ነበርቲ በይ ኤርያ፡ ናብዚ ብዓይነቱ ፍሉይን ብኣገዳስነቱ ከኣ ዕዙዝ ሓድሽ ትንሳኤ ምትእኽኻብ፡ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ሓድነትኩም ደሪኽኩም፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ክትዝትዩን ክትመኽሩን ስለ ዝመጻእኩም፡ ብስም በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጥን ብስም እቲ ውጹእ ህዝቢ ኤርትራን ዝኸበረ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ መሪር ተጋድሎ ኣሕሊፉን መወዳድርቲ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉን ከይኣኽሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም፡ ፍጡር ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ግፍዕን መከራን ኣብ ልዕሊኡ ይፍጸም ምህላዉ ከይኣክል፡ ህዝቢ በታቲንካ ንኤርትራውያን ደቀባት ብጋህድን ብስውርን ብምቕንጻል፡ እንሆ ናይ ሃገር ልኡላውነት ኣብ ፍጹም ሓደጋ ወዱቑ ይርከብ ኣሎ፡ ነዛ ብኽቡር ዋጋ  ዝተረኽበት ሃገር፡ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ንቡር ክንመልሳ፡ ናይ ነፍወከፍና ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፡ እዚ ኣብ ሕሱም ጭቆና ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ኣብ ድያስፖራ እንነብር ኤርትራውያን፡ እዋናዊ ለበውኡ ከምኡ’ውን ከም መጠን ደቁ ዝሓተና ሕቶ እንተልዩ፡ ኩሉ ሓይልናን ጸጋታትናን ኣወሃሂድና ብሓባር ኰንና ከም ሓንቲ ስድራ ኣብ ሓደ ጽላል ኣጽሊልና ካብ ጭቆናን ዳግማይ ስውር መግዛእትን ሓራ ንኽወጽእ ዝለዓለ እጃም ክንጻወት፡ ካብቲ ዘለውዎ ሕሱም ጭቆናን ሓያል ጻዕረ-ሞት ዝተሓወሶ ሻቕሎትን ይላበዉናን ሓገዝኩም ኣይፈለየና ይብሉ ኣለው። ነዚ ለበዋ ክዉን ንምግባር ግን እቲ ኣማራጺ ዘይርከቦ ብሓባር ምስራሕ ጥራይ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ንፈላለየሎም ንሰማምዓሎም ጉዳያት ስለዝበዝሑ፡ ብሓደ ዀንና ጸላኢና ካብ ምጽራግ ካልእ ኣማራጺ ከቶ ኣይክህልወናን እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ እምበኣር ደቂ ሓንቲ ስድራ ክነስና፡ ኣብ ዝተፈላለየ መኣዲ ክንቋደስ ዝጸናሕና ግን ከኣ ዓጊብናሉ ዘይንፈልጥ መኣዲ ገዲፍና፡ ዳግም ናብ ናይ ሓባር መኣድን ፍቕርን ተመሊስና ታሪኻዊ ሓድነትና ንምምላስ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ኤርትራዊ ሓቦን ኒሕን ንምብርባር ብሓባር ክንዝቲ ምብቃዕና፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክበሃል ይከኣል።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ዝጫጫሕ ወዳበ፡ ናብ ካልእ ጓል መንገዲ ዝወስድ ምክፍፋል ዘይኮነ ዘድልዮ፡ ኩላትና ብሓባር ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ወፈራ ክንገብር እዋኑ ዝጠልቦ ከምዝኾነ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓድነት ሓይሊ እዩ ምክፍፋል ግን ብኣንጻሩ ሕሰምን መከራን ህዝቢ የናውሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ህዝቢ ንቐጻልነት ህላወና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ከምዝኾነ ሕሉፍ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፍናዮም 28 ዓመታት ህያው ምስክር እዮም።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ኣብ ምትግባር ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን፡ ኮይኑ ግን ኣብ ሱታፈ ህዝቢ ሕጽረታት ስለዝነበረ፡ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ንምስጓም ክጽገም ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ሎሚ ጀሚርና ዘድሊ ምትዕርራያት ጌርና ብናይ ኩልና ሓያል ተሳትፎ፡ ዕምሪ መላኺ ንምሕጻርን ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ንምውጋድን ብሓባር ይኣክል ንብለሉ ሰዓት ሕጂ እዩ። ክብርታትና ኣምሊስና ኣብዛ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ህዝብና እፎይ ኢሉ ብልዕልና ሕጊ ተመሪሑ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ክንፈጥር እቲ እንኮ መፍትሒ ሓድነት ጥራይ እዩ።

አብ ትሕቲ ጭርሖ “ይአክል” ኤርትራውያን ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና አሎና!

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና

ክንዕወት ኢና

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብቲ ኣኼባ ብቛንቃ`ታት ትግርኛን ዓረብኛን ካብ ዝቐረበ ጭርሖታት ቀጺሉ እነሆ፡

ይኣክል ንውልቀ ምልኪ

ይኣክል ንግህሰት ሃይማኖታዊ መሰላትና

ይኣክል ምጥላዕ ብልዑላውነት ሃገርና

ይኣክል ንወገነይ ወገንካ፡ ንኣውራጃይ ኣውራጃኻ

ቅዋምና ክትግበር፣ ዶብና ክሕንጸጽ፣ እሱራትና ክፍትሑ ብሓባር ንቃለስ

ይኣክል ንስቕታ፡ ይኣክል ንዅሉ ምፍልላያትና፡ ይኣክል ንዅሉ ጸገማትና !!!

                                                                                                                                https://youtu.be/uXAATR7TAbw

Bay area 5

ኣብቲ ገዳይም ተቓለስቲ፣ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብተራ እናተንስኡ ዘስምዕዎ መደረታት፡  ሓድነትና ኣትሪርና፣ ብምክብባርን ምጽውዋርን ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን ዝጽውዕ ብምድግጋም ተቓሊሑ።  ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዓወት ተቓሊሑ ኣሎ፡ ካብዚ ቀጺልና ናብ ደረጃ ሓዞ-ሓዞ ከነሰጋግሮን ንውልቀ መላኺ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንድምስሶን ንለዓል እውን ተባሂሉ። ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ተሳትፎ ዘይጸንሖምን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ምስታፎምን ብምሕባር፡ ኣብ ማሕበርን ንጥፈታቱን ብኣባልነት ክሰርሑ ዘፍለጡ’ውን ብዙሓት ነይሮም።

ክንዕወት ኢና

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብዚ ግዜዚ ካብቶም ጠለባት ናይዚ እዋና ኡ ሕዝባዊ ምልዕዓል ወይ ድማ ይኣክል፣ ቅዋምና ይተርጐም ብዝብል  ቅዋም ወይ በቲ ፍሉጥ ዓለምለኸ ኣገላልጻ ኣነ እውን ብወገነይ ካብቲ ዘንበብክዎ መጽናዕትታት ብዛዕባ ሕገ ሕንጻ ሃገር ወይ እቲ ብኤርትራውያን ቅዋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክገልጽ ክፍትን ኢየ፡፤

ሕገ ሕንጻ ሃገር ወይ ድማ በዚ ሕጂ ብኤርትራውያን ቅዋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ እንታይ ማለት ኢዩ?

 ቀዳማይ ክፋል

ሕንጻ ሕገ ሕንጻ /ዝለዓለ ሕጊ ሃገር/ ወይ ቅዋም ሓደ ሰነድ መሰረታዊ ሕግታትን መቆምያታትን ዝሓዘ፣ ሓፈሻዊ ወደባን ኣሰራርሓን ናይታ ሃገር ዝገልጽ ከምኡ ድማ መስረታውያን መቆምያታትን፣ ልምድታትን፣ ንኩሉ መዝነታት መንግስቲ ዝመርሕ ሰነድ ኢዩ፡፤ በዚ መሰረታትዚ ድማ ኢዩ እቲ ሕገ ሃገር ተራ ናቱ ኣብ ቅርጻን ትሕዝቶን ሃገር ብምሉእ ኣብታ ሃገር ዝቅመጥ ሕዝብታት ዝምእዘዞን ዝኽተሎን ዝኸውን፣ ብሓጺሩ ሕገ ሃገር ሕገ ሕዝቢ ዝተሰማማዓሉ ድኣ እምበር እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ዝህቡኻን ዝኸል ኡኻን ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያብ ኣይኮነን፣ ዝኾነ ሓይሊ መጺኡ ድማ ዝቅይሮ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብስምምዕ ሕዝቢ ኢዩ ዝልወጥን ዝመሓየሽን።

ብካልእ ሸነኽ ሕገ ሃገር ወይ ቅዋም፣ ሕጋዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ ማሕበራዊ መሳርሒ ኢዩ፣ ይበሃል እንታይ ማለት ኢዩ? 

ብሕጋዊ ኣገላልጻኡ፣  ቅዋም ወይ ዝለዓለ ሕጊ ሃገር፣ ክንብል ከሎና መስረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘዕቁብ፣እቲ ሕዝቢ ዝጽበዮ ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ኢዩ፡፤ከምዝለዓለ ሕጊ ሃገር እቲ ሰነድ ሒዝዎ ዘሎ ዓናቅጽ ሕግታት መሰረት ናይቶም ካልኦት መምርሕታት፣ ሕግታት፣ ትካላት፣ንምውጻእን ፣ንምስራሕን ዕድላት ዝህብ ሰነድ ኢዩ፡፤ እዚ ሰነድዚ መሰል ዜጋታት እታ ሃገርን ትካላቱን ንከይግሃስ ዝከላኸል ሰነድ ውዕል ሕዝብታት ኢዩ።ነዚ ሕግታትዚ ድማ እታ መንግስቲ ክትምእዘዞን ከተኽብሮን ኣለዋ፣ ነዚ ዝለዓለ ሕጊ ሃገር ዘይምእዘዝ መንግስቲ ሃገር ክሃንጽ ኣይኽእልን፣ ኣብታ ሃገር ድማ ሰላምን ብልጽግናን ክህሉ ኣይኽእልን፣ ናይዚ መረዳእታ ድማ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራና ስልጣን ሒዙ ኣፍ ልቡ እና ወቅዐ  ንሉዑላውነትን፣ሕጋውነትን፣  ሕዝቢ ኤርትራ ብምስትናዓቅ--------------------------

- ኣይከሰርናን፣

- ድሕሪ ሕጂ ሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን በበይኑ ኢዩ ዝብል ሓቀኛ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ

-  ችግርና ዶብ ኣይኮነን፣

- ብዘይቃል ዓለም ስልጣን ሂበካ ኣሎኹ ንስኻ ምርሓና፣

- ዘገድሰና ምርግጋእ ኢትዮጵያን፣

- ውሕደት ዞባናን ኢዩ፣

- ነዚ ስምምዕዚ ክዕንቅፍ ዝፍትን ወይልኡ፣

ብፖሊቲካዊ ኣገላልጻኡ  ሕገ ሃገር እቲ ዝለዓለ ስልጣን ሃገር ኮይኑ ዝውስን፣ዝዕድል፣ ስልጣን መንግስቲ ዝውስን፣ነቲ ዝተፈላለየ ቅዋማት ሕዝባዊ ጉዳያት ዝርኢ ንምውሳንን ምትግባርን መሳለጥያታት ዝህብ ሕጊ ኢዩ፡፤

ብማሕበራዊ ኣገላልጻኡ  ናይታ ሃገር ሕዝቢ ናይ ሓባር መንነት ወይ ሕዝባዊ ሓባር ራእይ ዘንጸባርቅ፣ ናይ ሓባር ክብርታትን እምነታትን ዝገልጽ ሰነድ ኢዩ፡፤

  1. What is a Constitution ?

A Constitution is a body of basic laws and principles that describes the general organization and operation of the state and contains fundamental principles and norms that underlie and guide all government action. Given the fundamental nature of the constitution and its role in laying a groundwork to shape and support the state, a constitution is usually expected to be long-standing and somewhat difficult to change.

A constitution is simultaneously a legal, political and social instrument.

- Legally, it enshrines human rights and creates a predictable legal landscape. As a supreme or higher law, its provisions provide a framework under which all regulations legislation, institutions, procedures or legislation must not infringe, and which the state must strive to ensure.

- Politically, it establishes, distributes and limits government power and provides mechanisms for deliberating and deciding on public policy.

- Socially, it may reflect a shared identity or civic vision of the state, expressing commonly held values or fundamental principles.

 አብ ቀጻሊ

  1. ዓይነት ቅዋም
  2. ተራ ቅዋም እንታይ ኢዩ
  3. ወደባን ምኽፍፋል ስልጣን/ ጋድማዊ መኣዝኑ/ ቁልቁላዊ መኣዝኑ
  4. መግለጺ መንነት
  5. ምድራትን መምርሕን ሃገራዊ ስልጣን
  6. ኣሕጉራዊ ሕግታት ምኽባር
  7. ምንዳፍን ምጽዳቅን፣ ምምሕያሽን ምቅያርን ሕጊ ሃገር

ሎሚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና ከነዕልል እንከለና፡ ጸሓይ ህግደፍ ትዓርብ ከምዘላ፡ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ቅድሚ’ቶም ካብ ቀደሞም ብዛዕባ ኣዕናዊ መጻኢ ዕድል ህግደፍ ዝርድኡ ዝነበሩ ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ንኢሳይያስን ጉጀለኡን ብመለኮታዊ ዓይኒ ርእዮም ዕዉር ግምት  ዝነበሮም ክድግፍዎ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት እውን ንሰንከልከል ህግዲፍ ክቕበልዎ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ በዚጺሖም ኣለዉ። እቶም ቁንጣሮ ደገፍቲ ህግዲፍ ዝመስሉ ዝነበሩ እውን ኣፍ ኣውጺኦም ስለ ዘይተዛረቡ እንተዘይኮኑ  ብውሽጦምስ ኣብ ቀጻልነት ህግደፍ ከም ዝቐበጹ ዘማትእ ኣይኮነን።

እዚ ህግዲፍ ዝርከበሉ ዘሎ ናይ ስግኣት ኩነታት ብሰማይ ዝነጠበ ወይ እቲ ጉጅለ ፈትዩ ዝፈጠረሮ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘይሕለል ቃልሲ ውጽኢት እዩ። ምናልባት ኣብቲ ቃልሲ ቀጥታዊ እጃም ዘይነበሮም ኣካላት ብኽንድኡ ደረጃ ኣይርድእዎን ይኹኑ እምበር፡ እቲ ንህግዲፍ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ናይ ውድቀት ጸድፊ ኣብጺሕዎ ዘሎ ቃልሲ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ክሳብ ሕጂ ህግዲፍ ናይ ካለኦት መሰል ዓፊኑ ነብሱ ንክከላኸል ዘዕነዎ ኤርትራዊ ንብረትን ናይ  ሞራል ማህሰይትን ከምኡ እውን እቲ ካብ ምንቅስቓስ መንካዕ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት በሊዕዎ ዘሎ ህይወት ንጹሃት ናይቲ ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ ኣካል እዩ። እቲ ሎሚ ኣብ እንዳ ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ ገማዕማዕን ምክሕሓድን እውን እቲ ብህዝዝቢ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ዘነቓነቖ ማዕበል እምበር ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ህግዲፍ ዝተኸየደ ቃልሲ ኣዝዩ ከቢድን መሪርን ምዃኑ ክንገልጽ እንከለና፡ እቲ ኣብ ዑናታት እቲ  ክጭቁነሉ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ባይታ ብቑዕ መተካእታ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ቃልሲ ዝያዳ ዝኸበደ ምዃኑ ብምዝንጋዕ ከምዘይኮነ ክሰሓት ኣይግበኦን። እዚ ምስቲ “ምፍራስ እምበር፡ መሊስካ ምህናጽስ ከቢድ እዩ” ዝበል ኣበሃህላ ፈለጣት ክንመዝኖ ንኽእል። ስለዚ በቲ ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ቃልስን ህግደፍ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምንቁልቋል ደረጃን ከተነየትና ንዝለዓለ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከም ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ይግበኣና።

በመንጽርዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ናይ ለውጢ ትኸል-ንቐል ወሳኒ ቃልሲ፡ “ብቑዕ መተካእታ ንምዃን” ዝብል ኣምር ትርጉም ብዝተፈላለየ መልክዕ ክቐርብ ዝኽእል እዩ። ብሓፈሻ ክንወስዶ እንከለና ከኣ “ንህዝብና ነቲ ብህግደፍ ተነፊግዎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ መሰረታዊ ጸጋታት ከም ዝረክብ ምብቃዑ ወይ ምኽኣሉ” ኢልና ክንወስዶ እንኽእል እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ምምሕዳር ህግዲፍ ልዕሊ ሕጊ እዩ። እዚ ብኣንጻሩ ክቕየር ይግበኦ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ወልቀ መራሒ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላት እዩ። እዚ እውን ክግልበጥ ይግበኦ። ኮታ ኩሉ እቲ ጉጅለ ምልኩ ኣብ ምትራርን ዕመድ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕን ምእንቲ ክሕግዞ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣገባባት ሸፋጢ ኣገባብ ተቐይሩ ናይ ህዝቢ ልዕልናን ትካላዊ ምምሕዳርን ከውሕስ ናብ ዝኽእል ርትዓዊምምሕዳር ምቕያሩ ማለት እዩ።

“ብቑዕ መተካእታ ንምዃን” ብናይ ውሱናት ኣካላት ቃልሲ ወይ ጽቡቕ ድሌት ዝረጋገጽ ዘይኮነ ናይ ኩሎም’ቶም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎምን ንምትግባሩ ዝብህጉን ኣካላት ናይ ሓባር ኣበርክቶ ዘድልዮ እዩ። ናይዞም ኣካላት ውሁድ ኣበርክቶ ኣድማዒ ክኸውን ከኣ፡ ንኹሎም ኣከኣኢሉ ዘዋስእ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተደኮነ ናይ ሓባር ሜዳ ምምድማድ ናይ ድግን እዩ። እዚ ሜዳ’ዚ ከኣ ናይቶም ተዋሳእቲ ኣተሓሳስባን ኣበርክቶን ብማዕረ ዝንጸባረቐሉ ክኸውን ናይ ግድን ኣድላይ እዩ። እቲ ብቑዕ ተካኢ ንምዃን ከቢድ ዝኸውን ከኣ እቲ ብዘይምጉናይን ምግላልን ብናይ ብዙሓት ዝንባለታት ዝተቓነየ መድረኽ ቃልሲ ምፍጣር ዝከኣል፡ ግና ድማ ናይቶም ተዋሳእቲ፡ ህዝባዊ ሓልዮት፡ ምጽውዋርን ምክኣላን ዝሓትት ብደሆ ስለ ዝኾነ እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ ክኸፈል ዝግበኦ ዋጋ ክትከፍል ቅሩብን ብቑዕን ምዃን ከኣ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ኣብዚ ናይ ሓባር መድረኽ ዘሳኒ ተዋሳኢ ክትከውን ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክህልወካ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ብብዙሕ ዓይነት ብዙሕነት  ዝተነድቀ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልወካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ኣብቲ ሰፊሕ ናይ ብዙሕነት ባሕሪ ዘሰማምዓካ ኮነ ዘፈላልየካ ኣተሓሳስባ ከም ዘሎ ፍሉጥን ቅቡልን እዩ። ንኣብነት ኤርትራውነትና የሰማመዓና፡ ህዝብና ካብዚ ካባብና ሓሊፉ ንዓለም የሽቕል ካብ ዘሎ መሪር ወጽዓ ህግዲፍ ናጻ ክወጽእ ኩልና እንሰማማዓሉ እዩ፡ ኤርትራ ድሕሪ ህግዲፍ እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ከም ዘድልያ ከኣ፡ ኣብ ደቂቕ ኣተገባብራኡ ደኣ ንኡሳት ፍልልያት ነመዝግብ ንኸውን እምበር እንሰማመዓሉ እዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ናይ እንካይዶ ቃልሲ ብዙሕነትካ ዓቂብካ ኣብቲ ዘሰማማዓካ ኣትኪልካ ክትሰርሕ ምብቃዕ እዩ። ሓድነት ኣብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣካላት ጥራይ ዝትግበር ከም ዘይኮነ ኩልና እንርደኦ እዩ። ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ብሓባር ምስራሕ ቀሊል ክነሱ፡ ከቢድን ዘይከኣልን ኣምሲልና  ስለ ዝሓዝናዮ ኢና እምበኣር መፍቶ ህግዲፍ ንኸውን ዘለና እሞ፡ ብጽሞና ክንሓስበሉን ግቡእ ዋጋ ክንከፍለሉን ይግበኣና። ዝኾነ ይኹን ህጹጽነትን እዋናውነትን ዘለዎ ጭረሖ እንተ ኣልዓልና እውን፡ ክስገር ዘይግበኦ ዕማም እዩ። ካልእ ነዚ ሓቢርካ ምስራሕ ዘኽብዶ፡ ህግዲፍ እውን ብሓባር ክንሰርሕ ብዘይምብቃዕና ስለ ዝቐስን ኣብ ሞንጎና ሓዊ ካብ ምስዋር ዓዲ ከምዘይውዕል ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

እታ ኣፍሪቃዊት ኾኸብ ክትከውን ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ኤርትራ፡ ሎሚ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታታ ዘይሕለወላ፡ ልዕልና-ሕጊ ዘይተረጋገጸላ ነጻ ፕረስ ዘይፍቀደላ፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ግሉጽነትን ዘይተፍቅድ፡ ኣሽሓት ደቃ ብዘይ ዕላዊ ክስን ፍርድን ኣብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርታት ዝሳቐዩላ ናይ ስቓይን ኣውያትን ሰፈር ኮይና ኣላ። ድሕሪ እቲ ናይ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝተኸፍለ ክቡር ናይ ናጽነት ዋጋ፡ ሃገርና ኣብ’ዚ ዘላቶ ኩነታት ክትወድቕን ህዝብና ከኣ እዚ ክፍደይን ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኻዊ ስግንጢር እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ እዋን ‘ዚ ሃገርና ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ተሸሚማ ከምዘላ ካብ ኩላትና ስዉር ኣይኮነን።

 ከም ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንልኡላውነት ሃገርና ካብ ሓደጋ  ከነድሕን፡ ኣብ’ቶም ንሰማማዓሎም ውሑዳት ነጥብታት ርዒምና ብሓባር ክንቃለስ ዘኽእለና ጥርናፈ ክምስረት ጽኑዕ እምነት ኣለና። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ብሃገረ-ኣሜሪካ፡ ብደረጃ ከተማታት ናይ ዝንቀሳቐሳ ህዝባውያን ባይቶታት ጥርናፈ ኮይኑ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝጠመተ ስትራተጂ ዝኽተል፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ`ዩ። ብደረጃ ብሰሜን ኣሜሪካ ባይቶ ኣቚሙ፡ ብኣህጉራዊ`ውን ብሓባር ዘሰርሕ ጥርኑፍ ምንቅሳቓስ ንክረጋግጽ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ እምንቶ`ዚ ንምዕዋት፡ ንማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ከባቢኣን ብሓባር ከስርሓና ኣብ ዝኽእል ጉዳያት ክንዝትን ክንሰርሕን፡ ኣብ ክፍላ ለካቲት 2019 መጸዋዕታ ኣቕሪብና። ቀጺሉ ንትሕዝቶ ናይ`ዚ ጽሑፍ`ዚ ብሰፊሑ ዝገልጽን፡ ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናዕታን ከይነባኽኖ ዘምሕጽንን፡ ንኣሰራርሓን ኣገባብ ኣተሓሕዛን ዝምልከት፡ ኣብ ግንቦት 10፡ 2019 ናብ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ጽሑፍ ኣቕሪብና። ክሳብ`ዛ ዕለት እዚኣ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ኣይረኸብናን። ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ክፈልጦ  ስለዝግባእ፡ ነዚ ጽሑፍ`ዚ ከነውጽእ ግድነት ኮይኑና። ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ፡ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ንኩላቶም ሰብ -ብርኪ ናይ’ዚ ቃልሲ ዘሳትፍ፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ንምቛም ይሕግዙ እዮም ዝበልናዮም እማመታት ነቕርብ።

  1. ብቐዳምነት፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ንምምራጽ፡ ካብ’ቶም ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ ቅሉዕ ኣኼባ ወከልተን ዝመረጻ ከተማታት ዝወጸት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ክትቆውም፣
  2. ኣሰናዳዊት ሽማግለ፡ ናይ ምርጫ ቅጥዕን ናይ ህዝቢ ኣኼባ ዛዕባታትን ብምድላው ኣብ ኩለን ከተማታት ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ህዝባዊ ባይቶታት ንክምስረታን ምርጫ ንኽገብራን ጎስጓስ ክተካይድ፣
  3. ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ፡ በብከተምኦም ዝተመርጹ ወከልቲ ከተማታት፡ ኣብ ዝገብርዎ ናይ 2 መዓልቲ ዋዕላ፡ መደብ-ስራሕን ውሽጣዊ ሕግን ናይ’ዚ ጥርናፈ ድሕሪ ምርቃቕ፡ ሓንቲ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክትምረጽ።

እምነትና፡ ዘይተወደበ ህዝቢ፡ ከድምዕ ዘይክእል ቁጽሪ ጥራሕ`ዩ። ዝተወደበ ህዝቢ ግን ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ`ዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ብሃታ-ሃታ፡ መሪሕነት ንምቛም ጥራይ እንጓየ፡ ብቀዳምነት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ጽዑቕ ጎስጓስ ብምክያድ ነፍስወከፍ ከተማ ኣቐዲማ ህዝባዊ ባይቶ ንከተቕውም ክንሰርሕ ይግባእ።

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ በብከተምኡ ተጋቢኡ፡ ዕላማታቱን ናይ ሓባር ራእዩን ናይ ቃልሲ ስትራተጂኡን ከየነጸረ ብታህዋኽ ወከልቲ ከተማታት ጥራይ ምምራጽ፡ ከም ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ፡ ወይ ኣብ ልጓም ዘይብሉ ፈረስ ምውጣሕ ከይከውን ነተሓሳስብ። ከመይ`ሲ፡ መሪሕነት/ኣመራርሓ ማለት-ቅርጻ-ሓሳብ፡ ራእይ፡ ኣትኩሮን፡ ስእለ-መንገዲ ተነጺሩ ዝተዋደደ ኣገባብ እምበር ወልቀ-ሰብ ወይ ውልቀ-ሰባት ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ብህዝባዊ ሓይሊ ክሰዓር እዩ!

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!

ግንቦት፡ 18/2019


 

   

ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ጉዳይ ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣዘራራቢ እዩ። ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሎሚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ናይቲ ነዊሕ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ መስርሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝጸሓፉ ደረስቲ ኣብ ጉዳይ ኢሳይያስ ክበጽሑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ከም ሕሱም ክነቕፍዎ እንከለዉ ገለ ድማ ብዛዕብኡ ከይጠቐሱ ዝሓልፉ ነሓፍቲ ንዕዘብ። እንተ ዝንእዶ ወይከ ሓደ። ኩሉ ኣካይዳ ኢሳይያስ ዘይንኣድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ዝምረረሉ ከኣ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘቕርቡ ኣካላት ግዜ ከይሃብካ ምውጋንን ምጽጋዕን (ብቋንቋ የማነ ተኽለገርሽ) መለለይኡ ከም ዝጸንሐ ርዱእ እዩ። ዛንታ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብቓላት ዝንገር ጥራይ  ዘይኮነ፡ ኣብዚ ናይ  ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ህንጸት ሕገመንስታዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ እውን ንርእዮ ዘለና እዩ። ንኢሳይያስ ናብዚ እኩይ ተግባር ዝደፍኦ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕዱር ሕማሙ እዩ። ነዚ ሕዱር ናይ ስልጣን ህርፋኑ ንምውሓስ  ዝኾነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ዘይብል ሰብ  ምዃን ከኣ ብዛዕብኡ ዝጸሓፉ ኮኑ ብኣካል ብቐረባ ዝፈልጥዎ ወገናት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ።

ኢሳይያስ ዋላ’ውን ዕድመን ተመኩሮን እንተደለበ፡ “ህዝቢ እመርሕ ኣለኹ” እንዳበለ ብግብሪ ግና  ነቲ ህዝቢ ዝብህጎ መንገዲ ዝጻረር ኣቕጣጫ ሒዙ ዝጐዓዝ ስግንጢር እዩ። ሕጂ እውን ኣብዚ መንገዲ ጥፍኣት’ዩ ናህሪ ወሲኹ ዝጐዓዝ ዘሎ። ህዝቢ “ፍትሒ ይንገስ” ከብል እንከሎ ንሱ ኢደወነናውነት የንግስ፡ ህዝቢ “ንምርሓሉ ሕግን ዝመርሓና ኣካልን ባዕልና ናይ ምውሳን ዲሞክራስያዊ መሰል ይሃልወና” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ኣነ እየ ከኣልየ ኩሉ ይብል። ህዝቢ “ልኡላውነት ሃገረይ ይከበረለይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ጉዳይ ልኡላውነት ኣዝዩ ንኡስ ኣጀንዳ እዩ ይብል፡ ህዝቢ  “መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሃይማኖታዊ እምነትን ይከበረለይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ መሰል ዝህብን ዝኸልእን ኣነ እየ ይብል፡ ኮታ መራሒ ህግዲፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕድመ ስልጣኑ ምእንቲ ከናውሕ ኣንጻር ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ኤርትራ ዝወስዶ ስጉምትታት፡ ኣብነት ጠቒስካ ዝሕለፍ እምበር ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ከምቲ “ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ኢሳይያስ፡ ኣብ ክንዲ ብዝሓለፈ ህዝቢ ዘስተናዕቕ ተግባራቱ ዝንሳህ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ’ኳ ምስ ኢትዮጵያ ኣመጻጽኣኡ ኮነ ኣካይዳኡ ዘይፍለጥ ጠንባር ዝምድና ምስ ፈጠረ፡ ወዮ ኣብቲ ጸረ ህዝቢ ተመኩርኡ ዘርእዮ ዝነበረ ጉርሕን እኩይ ውሕልነትን ፈጺሙ ጠፊእዎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ሕዱር ንዕቀት ብዘሕዝንን ብዘስደምምን ኣገባብ ክደጋግሞ ተዓዚብና። እዚ ተግባሩ እንተላይ እቶም ሕድሪ ህዝቢ ዘየኽብርን ጠላምን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ዘይጸውር ቀታልን ምዃኑ ዝፈልጥዎን ኣብቲ ገበኑ እጃም ዘለዎምን ቀረቡ ከይተረፉ፡ ኢሳይያስ ክሳብ ክንድዚ ካብቲ ክኢላ ተዋሳእነቱ ወጺኡ ዓበድበድ ምባሉ ኣዝዮም ተገሪሞም። ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ናይ ዝሰኸረ ስሓቕን ኣፍልብኻ ምውቃዕን ካብ ዝተዓዘቡ መጋይሽቱ ገለን ብውሽጦም ገለን ድማ ኣግሂዶም “እዋእ እንታ እዚ ሰብኣይ ደኣ ዓቢዱ እንድዩ” ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ኣብ ጐንደር ከይዱ ምልፍላፍ ምስ ወሰኸሉ ከኣ “ናይ ሕጂ ገደደ” ዝበሉ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ዓደምቱ እውን ምስቲ ብዛዕብኡ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ዘይግበኦ ሓበሬታ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ዓቀልባዕባዕ ምባሉ ዝደንጸዎም ብዙሓት ነይሮም። እቲ ፈኾስኮሱ ርእዮም መሊሶም ከሻህርትዎ፡ ፈረስ፡ ገመል፡ ድርዕቶ፡ ካትም፡ ዋልታን ቡንን ምስ ኣበርከትሉ ከኣ፡ ነቲ ኣደታትና ፈቐዶ መንገዲ ቅጫ ቀጭየን ጎጎ ጐግየን ርሑስ ቆጽሊ ኣሰንየን ዝቕበለኦ ረሲዑ፡ በቲ ናይ ኣዋሳን ኣዳራሽ ምልንየምን ኣዲስ ኣበባን ኣሕዲሱ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፈኦ።

ነዚ ተዓዚቡ ምስ ካልእ ሰብ ዘይኮነስ ምስ ነብሱ ዝዛረብ ዝነበረ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይነበረ። “እንታ እዚ ሰብኣዊ እንታይ’ዩ ወሪድዎ? እምበርከ ንሱ ድዩ?” ናይ ብዙሓት ሕቶ ነይሩ። ውዱእ መልሲ ዝህብ ግና ኣይነበረን። ካብዚ ኩሉ ዓበድበዱ ዝያዳ ቁጠዐ ዘሕደረ እቲ ቅድም ምላቑ ዝመስል ዝነበረ፡ ደሓር ግና  ተረጊጹን ግዜን ኩነታትን ኣጽኒዑን ዝድርብዮ ዝነበረ ቃላት እዩ። እቲ ሰማዒ በቲ “ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ናይ ቃለዓለም ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ፡ ጉዳይ ዶብ ኣዝዩ ንኡስ ኣጀንዳ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዩ” ዝብል ወልደፍደፉ እንዳተገረመ፡ “ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ውግእ ኣይከሰርናን” ምስ በለ ኩሉ ሰብ “ኦ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ማለት ከምዚ እዩ” ብዝብል ኣዝዩ ተገሪሙ።  “ሰብኣይ ኣማን ብኣማን ሓሚሙ እዩ” ዝበሉ’ውን ብዙሓት እዮም። “የለን ኮነ ኢሉ ከሕምመና እምበር ኣይሓመመን” ዝብሉ እውን ከምኡ። እቲ ነቲ ኣበሃህላኡ በብመንገድኻ ምትርጓም ሕጂ እውን ዘይኣረገ ኣጀንዳ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይዚ ነዚ ዲክታቶር ኣተዓራርዮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ግና ስዑራት እዮም።

ብሰንክቲ ኢሳይያስ ከም ዝጀመሮ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ብዘለዎ ዘይሻራዊ ኣካላት ብዝሃብዎ ምስክርነት ዝተረጋገጸን ኤርትራ ውግእ ብምጅማራ ዝያዳ 10 ሚልዮን ዶላር ንክትክሕስ ዝተበየናን ውግእ 1998-2000፡ ኢሳይያስ ብዝተኣመነሉ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግና ውሒዱ ዝበልዎ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሰዊኦም። ካብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታታት ተመዛቢሎም ንብረቶም ዛሕዛሕ ዝበለ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ  ከም ሳዕቤን ናይቲ ኢሳይያስ ዝጻሕተሮ ውግእ ንብረቶም ዝባኸነ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ጉድኣት ንዘስዓበ ውግእ ኣየኽሰረናን ምባልሲ ምስ ምንታይ’ዩ ክቑጸር። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ዕድል ምስ ረኸበ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ በዛ ንህዝብን ሰማእታቱን ኣስተናዒቑ ንለኣኽቱ ከሕጉስ “ኣይከሰርናን” ኢሉ ዝሓጨጫ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ዘቕርቦ ፍሉጥ እዩ። ኤርትራን ህዝባን ግና ከሲሮም እዮም። እኳደኣ ብገንዘብን ንዋትን ዘይትመን ክሳራ። እንተ ኢሳይያስ ኣበይ ከይበጽሑ ብዝብል ትዕቢት ተሰንዲሑ’ዩ  ክሳራ ኤርትራን ህዝባን ክሳርኡ ከምዘይኮነ ኣፉ መሊኡ ነጊሩና።

ምልክት ዋትሳፕ Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ መንነትን ቁፅርን ግዳያት ኣይተፈለጠን

መረዳእታ ዝጉሕሉ ሰርሰርቲ ('ሃከርስ') ንዋትሳፕ ብምጥቃም፡ ኣብ ሞባይል ስልክታትን ካልኦት ኤለክትሮኒክስን ናይ ስለያ ሶፍትዌር (መተግበሪ) ጽዒኖም ምንባሮም ተረጋጊጹ።

ኣብ ዋትሳፕ ንዘሎ ክፍተት ብምጥቃም ነቲ ናይ ስለያ መተግበሪ ክጽዕኑ ከም ዝኸኣሉ ይግለጽ።

ኣብ ትሕቲ ፌስቡክ ዝመሓደር ዋትሳፕ ከም ዘፍለጦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንውሱናት ተጠቀምቲ ዋትሳፕ ዒላማ ዝገበረ'ዩ። ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ከኣ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም ሰርሰርቲ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።

ከም ጸብጻብ ፋይናንሻል ታይምስ፡ 'ኤንኤስኦ' ዝተበሃለ እስራኤላዊ ትካል ድሕነት'ዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙ።

ዋትሳፕ፡ ነቲ ጸገም ከም ዝፈትሐ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ክፍለጥ ዝኸኣለ ኣብ መእተዊ እዚ ዘለናዮ ወርሒ ኮይኑ፡ ዋትሳፕ ን1.5 ቢልዮን ተገልገልቱ ሓድሽ ኣፕሊኬሽን ክጽዕኑ ['ኣፕዴት' ክገብሩ] ሓቲቱ'ዩ።

እቶም ሰርሰርቲ፡ ናብቲ ክስልይዎ ዝደልዩ ሰብ ብምድዋል፡ ነቲ ሶፍትዌር ይጽዕኑ። እቲ ዒላማ ዝተገበረ ሰብ ነቲ ደወል ስልኪ ክቕበል እንተዘይከኣለ'ውን ዝደለይዎ ካብ ምፍጻም ኣይግደቡን።

ፋይናንሻል ታይምስ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ መንነት ናይቲ ዝደወለ ኣካል ኣብ ዝርዝር እቶም ዝተደወሉ ስልክታት ኣይጸንሕን።

እቲ ጸገም ከም ዝተፈለጠ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ዝኸኣለ፡ ናይቲ ትካል ክፍሊ ድሕነት ከም ዝኾነ፡ ዋትሳፕ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሽዑ ድማ ንተጣበቕቲ መሰላትን ንክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን (ዲፓርትመን ኦፍ ጀስቲስ) ኣፍሊጡ።

'ኤንኤስኦ' ገበናትን ሽበራን ኣብ ምቅላስ ንኽሰርሕ ፍቓድ ዝተወሃቦ ትካል'ዩ። ኮይኑ ግን ዘይሕጋዊ ተግባር ፈጺሙ እንተኾይኑ፡ ምርመራ ከም ዝግበረሉ ተገሊጹ'ሎ።

ዋትሳፕ፡ ቁጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ሰርሰርቲ ክንደይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ እዋኑ ገና'ዩ ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ ብኤንኤስኦ መጥቃዕቲ ተፈጺሙኒ ነይሩ ዝብል ትካል ተጣባቒ መሰላት - ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ መሰላት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ስግኣት ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ክፍሊ ቴክኖሎጂ እቲ ትካል ተጣባቒ መሰላት ዳና ሌግሎቴን፡ መንግስታት ንፍሉጣት ተጣበቕቲ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ክቆፃፀሩ ኣብ ዝደልዩሉ እዋን ዝጥቀምሉ ኣሰራርሓ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ሚንስትር ምክልኻል እስራኤል፡ ፍቓድ 'ኤንኤስኦ' ንኽስርዝ ዝሓትት፡ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ዝመርሖ እኩብ ፌርማታት ኣብ ቤት ፍርዲ እስራኤል ክኸርብ'ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-48263928

 

“ይኣክል” ማለት ሓደ ክዝወተር ዝጸንሐ ተግባር “ኣይቐጽል፡ የኸትም፡ ወይ የቋርጽ ማለት ምዃኑ ንኽላትና ዘረዳደኣና እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምዚ ዝበሃል ከኣ እንተ ደኣ እቲ ተግባር ቀጺሉ ሳዕቤኑ ዘየድሊ ወይ ጐዳኢ ስለ ዝኸውን ኣይንዕገሶን ኢና ንምባል እዩ። ንሓደ ተግባር ሳዕቤኑ ሃሳይ እዩ እሞ “ይኣክል” ምስ በልካዮ፡ ካልእ ክቕጽል ዝግበኦ መተካእታ ሃሰስ ኢልካ ምርካብ ናይ ግድን እዩ። ማለት ዘየድሊ ከተፍርስ እንከለኻ ኣብቲ ዑናኡ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ምውሳድ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ናይ ይኣክል ድምጺ ክብ ኣቢልና ነቃልሕ  ዘለና ኸኣ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኩርኳሕን ጐባጥን ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ሳዕቤኑ ንህልውናና ከም ሃገርን ህዝብን ዝፈታተን ሓደገኛ ምዃኑ ንምእማት እዩ። “ይኣክል” ኢልና ጠጠው ክንብል ዘይኮነስ እቲ ዝኣክል ምስ ኣኸለ ካልእ ዘዋጽእ መተካእታ ናይ ምርካብ ዝሓየለን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ሓላፍነታዊ ዕማም ከም ዝጽበየና ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

እዚ “ይኣክል” ዝብል ኤርትራዊ ሕራነ ሎሚ ዘይተጀመረ፡ ግና ሎሚ ዝያዳ ዝገንን ዘሎ መልእኽቲ፡ ናብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ጥራይ ዝመሓላለፍ ዘሎ ዘይኮነ፡ ናብ ኩሎምቶም ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዝዋሰኡ ዘለዉ ኣካላት በብደረጃኡ ዘቕነዐ እዩ። ናይዚ መልእኽቲ ቀስቲ ቀንዲ ጠመትኡ ናብ ህግዲፍ ኮይኑ፡ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ሲቪላዊ ማሕበራቱን እውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። ስለዚ እቶም ይኣክል ንብል ዘለና ናይ ለውጢ ኣካላት’ውን፡ ምስቲ ኣጻብዕትና ናብ ህግዲፍ ምቕሳር ነናብ ነፍሲ ወከፍና’ውን ከነመልክት ከድልየና እዩ።

ንህግዲፍ “ይኣኽለካ” ንብሎ ዘለና፡ ነቲ ናይ ህልውናኡ መሰረት ገይሩ ጨቆናኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘዘውትሮ ዘሎ፡ “ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ፡ ብዘይ ፍትሒ ኤርትራውያን ምእሳርን ምስዋርን፡ ብኩራት ልዕልና ሕጊ፡ ስደትን ብርሰትን፡ ብልኡላውነት ኤርትራ ምውጋይ፡ ዘይምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምግባት ቁጠባ ሃገር ኣብ ኢድ ውሱናትን ምንፋግ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ናይ እምነት ነጻነት ምንፋግ፡ ወዘተ” እዮም። ሎሚ ጭቆና ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። ኣይኮነንዶ ናይቲ ጭቆና ቀጥታዊ ግዳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ተረዲእና ተወዲብና ንቃለሶ ዘለና፡ ዘይኤርትራዊ  ዘይሻራውያን ተዓዘብትን፡ ንህግዲፍ ባዕሉ እውን ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ  መሪር ጭቆና ከም ዘሎ ኣይሃድመሉን እዩ። ሎሚ ህግዲፍ “ኣብ ኤርትራ ይጭቁን የለኹን” ዝብለሉ ሞራል ኮነ ልሳን የብሉን። እዚ ማለት ግና ናይ ባህሪ ጉዳይ ኮይንዎ፡ ኣብ ክንዲ ዝእመን ነቲ ጸገም ብካለኦት ወገናት ከሳብቦ እዩ ሒኹ ዝብል። ኣብ ሓደ እዋን ወያነን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን መኸወልቲ ከም ዝነበሩ እንዝክሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እውን መልእኽቲ “ይኣክል” ከም ዝምልከቶ ክእመንን ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ክቕጽል ዘይግበኦ ንክኣክል ክቃለስን ይግባኦ። “ንወጽዓ ህግዲፍ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምሕላፍ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝፍጸም በደል ጽባሕ ኣብ ልዕሌኻ ከም ዝፍጸም ዘይምግንዛብ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይካ ተዓዛብን ዓወት ብናይ ካልኦት ኣበርክቶ ክመጸልካ ምጽባይን፡ ንኤርትራን ህዝባን ከም ነበርትን ነቲ ጨቛኒ ጉጅለ ኢሳይያስ ከም ሓላፊ ስርዓትን ፈላሊኻ ዘይምርኣይን፡ ህግዲፍ ዘዝመረጸልካ ፈታውን ጸላእን ከይመመኻ ምቕባልን ምንጻግን፡  በቲ መልክዕናን መሰረት ሓይልናን ክኸውን ዝግበኦ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ምስራሕ ከም ጠንቂ መበኣስን መናውሒ ዕድመ ህግዲፍን ምውሳድ፡ ግዝያዊ ንዋታዊ ረብሓ ንምርካብ ምስ ህግዲፍ ወጊንካ ህዝቢ ምብዳል፡ ህግዲፍ ነንዝበሎ ከየስተማቐርካ ምውሓጥ ውዘተ” ዝብሉ ዘይሓገዝቲ ኣተሓሕዛታት ንምውጋድ “ይኣኽለና” ክብል ይግበኦ።

ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘይተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ኣብዚ ናይ ይኣክል ግዜ ብኣኣቶም ክኣኽሉ ወይ ከኸትሙ ዝግበኦም ጉዳያት ከም ዘለዉ ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። “ሚዛንካ ኣብ ህግዲፍ ብግቡእ ዘይምንጻር፡ መደባት ክሕንጸጹ እንከለዉ ንኩነታት ኤርትራ ብግቡእ ዘይምድህሳስ፡ ንዓኻ ዝምልከትን ንህዝቢ ዝምልከትን ሓላፍነታት ኣነጺርካ ዘይምርዳእ፡ ኣብቲ ነዊሕ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊትን ሕገመንግስታዊትን ኤርትራ መዓስን  እንታይን? ትገብር ኣብ ዝብል ቀዳምነትካ ብግቡእ ዘይምስራዕ፡ ምስ መሓዙት ውዳበታት፡ ዘፈላልየካን ዘሰማማዓካን ኣነጺርካ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ሎሚ ኣትኪልካ ቅድሚ ኩሉ ስርዓት ህግዲፍ ንምእላይ ምቅላስ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ክመጽእ ዝግበኦ እሞ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ዘይወዳእ ጉዳያት ምስሕሓብ ካብ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ክትወስዶ ዝግበኣካ ምስ ኤርትራዊ ክውንነት ብግቡእ ዘይምስትምቓር።” ኩሎም እዚኦም ይኣክል ክበሃሉ ዝግበኦም ምዃኖም ምስትብሃል። እዚ ከኣ እዩ ናብቲ ናይ ለውጢ መሳርሒና ዝኾነ ብዙሕነታዊ ሓድነት ከብጸሓና ዝኽእል።

ብመንጽር እዚ ናይቲ “ይኣኽለና ዲና ይኣኽለካ ንብል ዘለና?“  ዝብል ሕቶ መልሲ “ክልቲኡ ኢና ንብል ዘለና” ዝብል ክኸውን ቅኑዕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ማለት ብውሕዱ ህግዲፍ ብብቕዓቱ ዘይኮነ፡ ብናትና ናይቶም ዝውጸዓና ዘሎ ኤርትራዊ ወገናት ድኽመት ቀሲኑ ክሓድር ከነፍቅደሉ ኣይግብኣናን።