ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሃለዋታን ክለዓል እንከሎ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ኤርትራን ህዝባን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉ ደገፍቱን ዘለዎም ዝምድና ኣዛራቢ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገበናትን ዓንዳርነትን ጉጅለ ህግደፍ ካብ  ኤርትራ ሓሊፉ ብደረጃ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ይቃላዕን ናይ ብዙሓት ጠመተ ይረክብን ስለ ዘሎ፡  ህግደፍ ነዚ ንምሽፋን ከምቲ “ጽድቁ ንበይነይ ሓጥያቱ ግና ንኹልና”  ዝበሃል፡ ነቲ ክጥዕሞ እንከሎ “ኣበይ ኣለኻ” ዘይብሎ ህዝቢ ኤርትራ እውን ተሓታትን ከፋል ዕዳን ንክገብሮ ደቁ ይገፍፍን የሸብሮን ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ድልዱል መሕብኢ ገበናቱ ንምርካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝተደወነ ምስሉ ንምጽብባቕን ህዝባዊ ንምምሳልን  “ህዝቢ፡ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ፈጺሞም ዘይፈላለዩ እዮም” ኣብ ዝብል ሸፈጥ ይዋፈር። እንተኾነ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ቅድሚ ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉን ጽባሕ ድሕሪኡ’ውን ዝህልዉን እዮም። መንግስታዊ ምምሕዳራት ግና፡ ምስቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ዝተፈራረምዎ ውዕል ይሃልዎም ኣይሃልዎም “ትማሊ ኣይነበሩን፡ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ እዮም።” መጻኢ ዕድል ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ካብዚ ፈሊኻ  ዝረአ ኣይኮነን፡

 እዚ ሓቂ እዚ ብፍላይ ንህግደፍ ኣብ ዝምልከት፡ ወዮ ደኣ ብጉልበት ከጐልብቦ ጸኒሑ እምበር፡ ኣብ ስልጣን ኣለኹ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት እዋን፡ ብኣተሓሳስባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ቆጽሊ ከም ዘውደቐሉ ዝሕብር  ዝኾነ ምልክት ስለ ዘየብሉ። እቲ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝረአ እውን፡ ንሱ ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እውን ናቱ ዘይምዃኖም እዩ ዘመልክት።  ህግደፍ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉ መርተዖ ገይሩ ክቕርቦ ዝፍትን፡ “ንናጽነት ኤርትራ በይነይ ስለ ዘምጻእኩዋ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ገዛኢ ከኣ ኣነ  በይነይ እየ” ዝብልን “ኣበይ ዝነበረ ህዝቢ እዩ?” ብዝብል ብደዐ ዝዓበደ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን መወከሲ  ዘየብሉ ዓመጽ እዩ። ነቶም ዓይኖምን ልቦምን ዝተደፍነ ብህግደፋዊ ስብከት ዝተሰነፉ፡ ዝረአ ከይርእዩ ቀልቦም ንዝተሰወረ፡ ውሑዳት “ምሳይ ኣለዉ” እንተበሎም ግና ሓቂ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ህግደፍ ምናልባት ምስ ቁንጣሮ ዕዉራት ልቦና እምበር ኣብ ልቦና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራስ ቦታ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኣይን ተሰላፋይን እዩ። ኣብዚ ወሳኒ እዋን ብገዛእ ጉዳዩ  ንሱ ብኾፉ ኣብ ክንድኡ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ክዛረብሉን ክወራዘይሉን ከፍቅድ ኣይግበኦን። ኣዝዮም ውሑዳት መጣቓዕቲ ብዘይሃቦም ውክልና “ንሕና ምስቲ ምዝርዛሩ ዘጸገም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸመ ጉጅለ ኣለና” እናበሉ ከዳኽሩን ከደናግሩን ፈጺሙ ከፍቅደሎም የብሉን። ብጉዳይካ እንዳተዘርበ ስቕ ምባል፡ ነቲ ዝበሃለካ ከም ምቕባል  ስለ ዝውሰድ ድማ ከስተውዕለሉ ይግበኦ። ነቲ ኩነታት ተኸታቲሎም ካብቲ ስቕታኡ ነቒሎም “ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጽዓን ባርነትን ምንባር ርዒምዎስ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ እዩ”  እንተበልዎ፡ ምስቲ  ኣበሃህላኦም ዘይኮነ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ እዩ ክተሓሳሰብ ዝግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ባርነት ናጻ ዝወጸሉ ኒሕ እምበር፡ ናይቲ ጉጅለ ገበን ተሓታትን  ከፋሊ ዕዳን ጽልእን ዝኾነሉ ትዕግስቲ ክህልዎ ኣይግባእን። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዕድልን መሰልን እናሃለዎን፡ ኣብቲ ዘዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ልዕልናን ወሳኒ ግደን ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣየን ብእዝኑ እናሰምዐን ድምጺ ህዝቡ እንተዘይኮይኑ፡  ስቕታኡ ንህግደፍ ካብ ምድጋፍ ስለ ዘይፍለ፡ ጽባሕ ህዝብን ታሪኽን ክሓትዎ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መግዛእቲ እንከሎ ኮነ ድሕሪኡ እንተዘኪሩ፡ ርሑቕ ከይከደ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ደርግን ኢህወደግን ብኸመይ ከም ዝሓለፉ ይፈልጥ እዩ። ዕድል ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እውን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህግደፍ ክሓልፍዩ ክንብል እንከለና’፡ ከምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ከፈራርሕሉ ዝፍትኑ፡ ኤርትራ ዘመሓድራ ዘይብላ ባዶ ክትተርፍ እያ፡ ወይ ክትድፈር’ያ ማለት ኣይኮነን። “ቃልስና ንለውጢ እዩ” ክንብል እንከለናኮ ንህግደፍ ኣብ ምውጋድ ጥራይ ዝዕገት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ  ካብ ህግደፍ ብዝሓሸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ካብኡ ብዝተፈልየ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካኡ ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ራኢና ህግደፍ ዝጸየቖ ባህላውን ማሕበራውን ምስሊ ህዝብና ምሕዋይ ማለት’ውን እዩ።  ንኣብነትኳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መጻኢ ራኢ ዓወቱ ንምእማት  ኣብቲ ኣብ ጉባኡ ዘጽደቖን ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሰዲህኤ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፋውን ሰላማውን ውድድርን  ዘፍቅድ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ሕጋውን ዝጣበቕን፡ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ዝብል ንረክብ። ስለዚ ኤርትራ፡ ከም ኢሳያስን ሰዓብቱን ጨካናትን ጠላማትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘድሕንዋ’ውን ወሊዳ እያ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ውሑዳት ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝመጣጠሩ “ደገፍቲ ኢና” በሃልቲ ኤርትራውያን፡ መራሒ ህግደፍ  ኣብ ርእሲቲ  ካልእ ብደዐኡ፡ ተጠሊዑ ንሓንሳብ “ሕገ-መንግስቲ ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ”፡። ንሓንሳብ ድማ  “ምርጫ ኣብ ኤርትራ ወይ ንሓዋሩ ዘይክግበር ወይ ከኣ ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ ኣርበዓ ዓመታት ይግበር ይኸውን” እናበለ ከሽካዕልል ሰሚዐምዎ ከብቅዑ፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣካልቲ ህዝቢ ዝቃለሰሉ ዘሎ ለውጢ ክኸውን ዝጽበዩ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ፈቲኖም ኣብ ኩሉ ብርክታት ተሳዒሮም መውጽኢ ዝሰኣኑ እምበር፡ ኣንጻር ለውጢ ዝተዓጥቀ ሓይሊ ህግደፍስ፡ ኣካል ለውጢ ክኸውን ዝብል ተረድኦ ዝሓደሮም’ዮም ክትብሎም ዘጸገሙ እዮም።

እሞ “ለውጢኸ መዓስ?” ዝብል ሕቶ ክቕርቦም እንከሎ ከኣ፡  “ሎሚ”  ዝብል ልሳንን ሕልናን ስለ ዘየብሎም፡ ናብታ ብጥበብ ተሰሪሓ ዝተዋህበቶም “ሎሚኮ ህግደፍ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር እዩ ተጸሚዱ ዘሎ” እትብል ኣሪጋ ዝበለየት መሕብኢት ይጐዩ።  እቲ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር ዝብልዎ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ መጋርያ ጀሚርካ፡ እቲ ጉጅለ መሕብኢ ንክኾኖ ሓሓሊፉ ባዕሉ ዝኣጉዶ ውግኣት እዩ። እቲ ዝቐለለ ሓዊ ኣጒድካ “የጥፍኦ ኣለኹ” ምባል ዘይኮነ፡ ነቲ ሓዊ ዘይምስዋርኳ እንተነበረ፡  እዞም ህዝቢ ክውክሉ ዝመጣጠሩ ደገፍቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝጸመሙ ነቲ ሓቂ ኣይርእይዎን እዮም። በቲ ኮነ በዚ ኤርትራን ህዝባን ወትሩ ህሉዋትን ቀጸልትን እዮም። ህግደፍ ግና ይፍቶ ይጽላእ ሓላፋይ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ድማ ዳግማይ ከይድህለል ብዛዕባ ድሕሪ ሕልፈት እቲ ጉጅለ ዝሓስብ ልቦናን ሓላፍነትን ይሃልዎ።

ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡  ስቴቨን ሲ ዌከር ተለቪዥን ኤሪሳት  ን11 ሰነ 2022 ኣዳልያቶ ኣብ ዘላ ስፖዚየም 2022 ብቐጥታ ካብ ኣስመራ፡  ዕዱም ጋሻ ኮይኖም መደረ ከም ዘስምዑ ኤሪሳት ሓቢራ። ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ”ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ” ዝካየድ ስፖዚየም “ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስን ኣበርክቶ ኤሪሳትን” ከም ዝኸነን ብዝተፈላለዩ መደባት ከም ዝስነን ተፈሊጡ።

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ፡ ብተኸታታሊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኣብ ምንጽብራቕ ሓበሬታ ክዝርግሕ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ኣብዚ ስፖዚየም ዘቕርብዎ መደረ ድምጺ ናይቲ ድምጹ ዝተዓብሰ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ብዘይካዞም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ወይዘሮ ይርገኣለም ስብሃቱን ኣቶ ዘካርያስ ክብረኣብን ከምኡ ድማ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተል ጋዜጠኛን ተመራማርን ዳን ኮነል ዕዱማት ኮይኖም መደረታት ከም ዘስምዑ ናይቲ ስፖዚየም ፕሮግራም የረድእ።

ድሕሪ ናይቶም ኣጋይሽ መደረታት መድረኽ ሕቶን መልስን ምይይጥን ዝህሉን እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግዜጠኝነትን ምልዕዓልን ልሉይ ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ሰባት ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ከም ዝወሃብን ናይ ምዝንጋዕ   መደብ ከም ዝህሉን ካብቲ ዝወጸ መደብ ምርዳእ ይከኣል። 

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመደቡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዙ ቢንግ  ሃገሮም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2022 ዋዕላ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተካይድ ምዃና ሓቢሮም። እዞም ልኡኽ ቻይና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገሮም ኣብ ምፍታሕ ወሰንቲ እስትራተጅያዊ ጐንጽታት ኣብዚ ዞባ ግደኣ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።፡

እዞም ኣብ መጀመርያዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝተመደቡ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ነባር ዲፕሎማት  ዙ ቢንግ ኣብ ፔሩ፡ ፑፓ፡ ኒው ጊኒያን ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣፍሪቃን ኣንበሳድር ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

ዙ ቢንግ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ነዚ ዋዕላ ንምጥጣሕ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማሊያን ኬንያን ዑደት ኣካይዶም እተን ሃገራት ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፋ ዕድመ ኣቕሪቦም፡ ጉዕዘኦም ናብ ዩጋንዳን ሱዳንን ከም ዘቕነዐን ተሓቢሩ።.ኣብዚ ዋዕላ ንምስታፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እውን ተዓዲመን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ኬንያ ክካየደ ተሓሲቡ ዝነበረ ደሓር ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወሰነ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ፍልልያት ዝፈትሓሉ መድረኽ ዝፈጥር ምዃኑ እቶም ቻይናዊ ፍሉይ ልኡኽ ሓቢሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ሃገሮም ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺበን  ዘለወን  ጸጥታውን ቁጠባውን ጸገማት ክፈትሓ ዕድል ናይ ምፍጣር ድሌት ኣለዋ ኢሎም። እዚ ዋዕላ ኣካል ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣቐዲሞም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ዝወጠንዎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። እዚ ድማ ሃገራት ናጽነተ ዓቂበን ቀጻሊ ህድኣት፡ ሃብትን ዕቤትን ክረኽባ ዝሕግዝ መደብ እዩ ተባሂሉ።

ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ዘሎ ብዙሓት ሲቪል ዝሞትሉን ዝተመዛበልሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ብስእነት ሰላም ኣብ ስግኣት ከም እትርከብ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቻይናን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ  ምሩኻት ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሺሕ ክፈትሕ ከም ዝወሰነን ካብቶም ዝፍትሑ 401 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ናይ 18 ጉንበት 2022 ዜናኣ  ገሊጻ። ድምጺ ወያነ ትግራይ ከም ምንጪ ዜናኣ ዝጠቐሰቶም ኣተሓባባሪ ጉዳይ ምሩኻት ኣቶ ብርሃነ ከበደ፡ እቶም ዝፍትሑ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸምዎ ክብደት ገበን ዝተጻረዩ ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣቶ ብርሃነ ከበደ ከም ዝሓበርዎ እዞም ብምሕረት ዝፍትሑ ምሩኻት ወታደራት መብዛሕትኦም ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ዝተማረኹን ኣብ ውትድርና ነዊሕ ግዜ ዘየገልገሉ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ2013ን 2014ን ተገዲዶም ዝተሰለፉን እዮም።

እቶም ዝፍትሑ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሕሉ ብፍላይ ብመንጽር ተሳትፎ ኣብ ምጽናት ዓሌት፡ ምጽራይ ዝተኻየደሎም ምዃኖምን ቀንዲ ምኽንያት መፍትሒኦም ከኣ፡ ታሪኽ፡ ስነ ልቦና፡ ስብእናን ኣተሓሳስባን ትግራይ ዝለዓለ ምዃኑ ንምርኣይ ዝውሰደ ስጉምቲ ምዃኑ እቲ ዜና ድምጺ ወያነ ትግራይ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ናይ ምሕረት ዕድል ዝተዋህቦም፡ ብምኽንያት ብወሊድን ሕማምን ካልእን  ዘለዉዎ  ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣቶ ብርሃነ ከበደ፡ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ በሃላይ፡ ብሰብኣውነት ዝግደስን ብደረጃ ኣተሓሳስባ ሒዝዎ ዝመጸ ምዃኑን ንምርኣይን እዩ ኢሎም።

እቲ ዜና ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ጸገም እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ እናጠመየን ጸገሙ ተጻዊሩ፡ ነዞም ምሩኻት ካብታ ዘላቶ ይቕልቦምን የሕክሞምን  ከም ዘሎን ንመጻኢ እውን ከም ዝቕጽሎ ጠቒሱ። እዚ ከኣ  ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ኣቶ ብርሃነ ከበደ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓያሎ ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ወገናት እዞም ልሚ ብምሕረት ዝፍትሑ ዘለዉ እንደጋና ጽባሕ ተመሊሶም ንህዝቢ ትግራይ ከይወግእዎ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ ብዝብል ነቲ ውሳነ ነቒፈምዎ ኣለዉ።

ንኤርትራውያን ልዕሊ ኩሉ ማዕረ እትብጸሓና፡ ብሓባር ከም ብሌን ዓይንና  እንሕልዋን ብእነፍቅራ ኣዴና እንምስላን ሃገርና ኤርትራ እያ። ካልኦት ብሓባር ዝብጽሑና ጸጋታት እንተለዉ እውን፡ ቀጻልነቶም ብህልውና ኤርትራ ዝውሰን እዩ። ኣብ ወሳኒ እዋን “ኤርትራ ወይ ሞት” እንብል ከኣ ንክብሪ ኤርትራ ከም ሃገር ንምዕዛዝ እዩ። ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ህልውነኣ ዓቂባ ክትቅጽል ከኣ ኩልና ደቃ ኢና ነድልያ።

ኤርትራውነትና ዓቂብና እንለብሶም ብዙሕነትና ዘንጸባርቑን፡ ተገዲድና ዘይኮነ ብድሌትና እንስዕቦምን ካልኦት መግለጺ መንነት ኣለዉና። ብሄርና፡ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ባህልና፡ ኣውራጃናን ካለኦትን መግለጺ መንነትና እዮም።  ኩሎም እዚኣቶም፡ ብዘይ ህልውና ልኡላዊት ኤርትራ ትርጉም የብሎምን። በዚ መሰረት ቅድሚቲ በዞም ዝተጠቕሱ መንነታት ኣቢልና ከነረጋግጾን ከነማዕብሎን እንደልዮ መሰላት ብጉዳይ ኤርትራ ከም ሃገር ክንግደስን ክንጭነቕን ግድን እዩ። ናይዞም ዝተጠቕሱ መለለይታት ዕቤትን ቀጻልነትን ምርግጋጽ ናይ ሰዓብቶም ሓላፍነት እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ክብራ ዓቂባ ክትቅጽል ግና ምፍልላይ ናይቲ ካልእ መንነትና ብዘየገድስ ኩልና ደቃ ኢና እንስለፈላ። ነቲ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውነት፡ ካለኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ኣትሒዝካ ንሓደ ካብቲ መግለጺ መንነት ብሄር ድዩ ወይ ቋንቋ ቅድሚት ምስራዕ፡ ገዛ ከይሓዝካ ብጉዳይ ናውቲ ገዛ ከም ምግዳስ ዝዓይነቱ ግጉይ ኣሰራርዓ ቀዳምነት ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም።

ነዛ ንኹላትና ብማዕረ እትብጸሓናን ንቀጻልነታ ንኹልና እትደልየናን ኤርትራ ዝተወሰነ ኣካል እንተደለየ እውን “ናይ በይኑ” ክገብራ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታትና፡ ኤርትራውያን ሰልፊ ንኹን ውድብ፡ ማሕበር ንኹን ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገር ንሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ዝኾነ ይኹን ነገራውን መንፈሳውን ዓቕሚ ይሃልወና ንኤርትራ ናይ በይኑ ክገብራ ዝኽእል የለን። ኤርትራውያን ብዝተወደበ ይኹን ብዘይተወደበ ኣገባብ ኣብ እንገብሮ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ፖለቲካዊ መስርሕ ብነገራዊ ዓቕሚ ድዩ ናይ ኣተሓሳስባ ዕምቆት ክንበላለጽ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ዝኾነ ሓይሊ በዚ ውሱን ጸብለልትነቱ ተዓብዩን ንኻለኦት ኣግሊሉን ልጓም ጨቢጡን ርኻብ ረጊጹን ከቶ ንኤርትራ በይኑ ከጋልባ ኣይክእልን  እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ብሓባር ዝግበር ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን መድረኽ ኣበርክቶኡ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል።  ኤርትራ እውን ንኹልና መምስ  ዓቕምና እያ እትደልየና እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣቕሪባ ነቲ ካልእ እተርሕቕ ኣይኮነትን። ንካለኦት ብትዕቢት ኣግሊልካ “ከምቲ ኣነ ዘምጻእኩዋ ብኣይ ትለምዕ ብኣይ ትጠፍእ” ምባል ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ  ርሑቕ ከይከድካ ተመኩሮ ህግደፍን ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ምድህሳስ እኹል እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ መዋጥርን ስግኣትን ክትወድቕ ዝገበራ ናይ ጉጅለ ህግደፍ “ኣነ ጥራይ እየ ንኤርትራ ዘድልያ” በሃልነት ምዃኑ ርኡይ  እዩ። ብኣካይዳ ህግደፍን ዓይኖም ብጨው ዝተሓጽቡ ደገፍቱን እቲ ንኤርትራ፡ ዝሓልየላን ዝሓስበላን እቲ ጉጅለ ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ንኤርትራ ኩልና ደቃ ነድልያ ምዃና በብግዜኡ እተቕርቦ ናይ ኣድሕኑኒ መጸዋዕታ ብቐጥታ ዝጋጮ እዩ። ናይ ህግደፍ በሓትነትን ኣነ ጥራይ በሃልነትን ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ናበይ ይወስዳ ከምዘሎን ኣብ ምንታይ ከም ዘውደቓን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ኤርትራ ሎሚ ዘላቶ ሻቕሎት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸልማት ከምዘይኮነ ይግመት። ከምቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝበልናዮ፡ ኩነታት ከይተቐየረ ኣብ ኢድ ህግደፍ እንተቐጺላ እቲ ዝጽበያ ሓደጋ ካብዚ ዘላቶ ዘይምውጸኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ዘየስግእ ኣይኮነን። ግዳይ ናይዚ ኣብ ከባብና ዝዘንብ ዘሎ ሓደጋታት ጥሜት፡ ውግእን ምምዝባልን ከይትኸውን ውሕስነት የብላን። እንተ እቲ ንሃገርናን ህዝባን ዝሕምሶም ዘሎ ጉጅለ፡ ብናይ ሓባር ቃልስና እንተዘይቀይርናዮ ካብዚ ተሸኺልዎ ዘሎ ሓደገኛ ኣንፈት  ክወጽእ ትጽቢት እተንብረሉ ኣይኮነን።

ናይ ህግደፍ ጠኒኑ በቲ ሓደገኛ መንገዲ ምቕጻል ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ብኽንድኡ ደረጃ ከቢድ እዩ። ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሃገርና ንምድሓን ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ኣምር ግቡእ ትርጉም ሂብና ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ግደታ ኣለና። ምናልባት ካብቶም ብሓባር ኮይና ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ቃልሲ ከነካይድ ዝጸናሕና ንመጻኢ እውን ክንቅጽሎ ትጽቢት ተነቢሩልና ዘሎ ቅልጣፈና ግና፡ ማዕሪኡ ዘየለ ጽባሕ ንኤርትራ “ኣነ ይኣኽላ እየ”  ዝብል ሕልና ዘለዎ እንተልዩ ብኣግኡ ናብ ልቡ ክምለስ ይግበኦ። ኣብ ርእሲቲ ኤርትራ ኩሉኹም ኢኹም ተድልዩኒ እናበለት ትጣራዕ ምህላዋ፡ በይናዊ ጉዕዞ ዓዲ ከም ዘየእቱ ካብ ምግንዛባ ዝነቅል ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት  ዝተወሰነ መምዘንታት እናመዘዘ “ኣነ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኒ” ዝብል ሕልና ዘለዎ ወገን ይህልወና ይኸውን። እዚ ስምዒት ሓቅነት እውን ይህልዎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ሓደ ወገን በይኑ ኣይምልሶን እዩ። እቲ ሓቀኛ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ሓባር መድረኽ ብዘበርክቶ ኣስተዋጸኦን ዘሕድሮ ጽልዋን እምበር፡ ብዝመርጾ በይናዊ ጉዕዞ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ብሓባር ተቓሊስና መጸዋዕታ ኤርትራ ንመልስ ክንብል እንከለና፡ ሸቶኡ ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ነጥሪ ማለት እዩ። ኣብዚ መስርሕ እንካን ሃባን ናይ ገሊኡ ወገን ኣተሓሳስባ ብመንጽር ህልውን መጻእን ኤርትራዊ ድሕነትን ረብሓን ተመዚኑ የዋጽእ ተባሂሉ ብምልኡ ይኹን ብኸፊል ቅቡል ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣተሓሳስባኡ ተመዚኑ ብምሉእ ድዩ ብኸፊል ተቐባልነት ዘይረክብ ወገን ክህሉ’ውን ይኽእል። ኣብዚ ኤርትራ ምእንቲ ክትድሕን ሓሳቡ ዝተነጽጎ ወገን ነቲ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ምኽባር ትብዓት ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ብኻልእ ወገን ዝቐረበ እሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ናቱ ወሲዱ ናይ ምትግባሩ ትብዓት ክውንን ድልዊ ክኸውን ግደታኡ እዩ። ጉዳይ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሃዋስነት ሕቶ መሪሕነት እውን በዚ ኣገባብ እዩ ክመሓደር ዝግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ”  ዝብል ከነተግብረሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ የብልናን።

በዓለ-ትንሳኤ ብዝተፈላለየ መጸውዕን፡ ኣብ ዝተአላለየ ግዜን ብዝተፈልየ ምልክዓትን ንድሕነት ህዝቢ ዓለም ብዝተፈጸመ መስዋእትን ትንሳኤኡን ዝፍለጥ ሓደ ካብ ዓበይትን ክቡራትን ሃይማኖታዊ በዓላት እዩ። ስለዝኮነ ድማ ስድራቤታት ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝተኣኻኽብሉ፤ ተፈላልዮም  ዝጸንሑ  መታዓብይትን መሓዙትን ወዶም ኮነ ጓሎም ዝራኸብሉ ናይ ታሕጓስን ደስታን ዓመታዊ በዓል ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣረ ብዙሕ ካብ ስድራታት ህዝብናስ ቆልዑትን ወርጠበናትን/ጎምበለታት ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ሓደስቲ ክዳውንቶም ለቢሶም ኣብ ቅርዓት ዓድታቶም ናተይ ይጽብቕ፤ ናተይ እባ እንዳተባሃሀሉ ታሕጓሶም ዝገልጽሉ ሓደ ካብ ናይ ፍሳሃን ደስታን ማዓልታት እዩ። ፍቅርን ሕውነትን ስድራታት ዝግለጸሉ ማዓልቲ እዩ።

ሓደ ብኣርኣያ ስላሰ ዝተፈጥረ ስብ፤ መቐረት ናይዚ ቅዱስን ናይ ታሕጓስን መዓልቲ ዘይፈልጥን ናብ ናይ ክፋእን ሕሰምን መጻወድያ ዝቕይርን  እንተልዩ ግን፡ ብዘይካ’ቶም ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕበይ መሪሕነት ህግሓኤን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራውያን ስርዓታትን እንተዘይ ኮይኖም ካልእ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ፤ ብዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ሰንበት እኳ ትንበር እምበር፡  ልክዕ ከምዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ምስ ቤተ-ሰቦምን ማሓዙቶምን ነቲ በዓል ንምኽባር ዝተዓደሙ ብጾት ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ናይ ሽዑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፤ ልኡኻት ስርዓት ኢሳያስ ምስ ሓደ ቤት-ሰብ መሳሊ ካብ ዓደምቶምን ጸጥታ ሱዳንን ተመሳጢሮም ካብ ከሰላ ብምጭዋይ፡ ነቲ መዓልቲ ሓጎስ ናብ ማዓልቲ ሓዘን  ዝቐየሩ።

 ካብቲ ባህልን ክብርን ዘይብሉ፡ ንናይ ሓሳባትን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ክጸወር ዘይኽእል፡ እንትርፎ ዓመጽን ሓይልን ንኻልእ ፍታሓት ዘይተዓደለ፡ ቃጻን ሻራነት  ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀም ርእሰ ምልኪ ኢሳያስ  ካልእ ዝጸበ ሰብ እንተልዩ ገና፡ ሕሰምን መከራን ዘይጸገበ ወይ ድማ ነዚ ጥራሕ ዝተፈጥረ፤ ካልእ ጽቡቕ ዝባሃል ነገር ከምዘሎ ዘይፈልጥን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብጾት ድሕሪ’ዚ ናይ መጭወይቲ ማዓልት'ዚ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ 30 ዓመታት መመላእታ   ብዘይካ ኤርትራ ምብጽሖም ካልእ ዳሃይ ዝባህል የብሎምን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘታሓሳስብን ድማ ኣብ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ፈራሃት መለኽቲ ምውዳቆም እዩ። ዋላ እቶም ንማንዴላ 27 ዓመታት ዝኣሰሩ ዓሌታውን መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን፡ ብስድራ ቤቱ ክብጻሕስ ኣይነፈግዎን ፍርህን፡ ብቖዓትን ኣፍልጦን ዘይምውናን ድማ ቀንዲ ካብ መበቆል ዲክታተርነት እዩ። 

እዞም ክልተ ተጋደልቲ ብጾት እዚኣቶም፣ ልክዕ ከምቲ ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን መንእሰይ ኤርትራ ማህደሮምን ርሳሶምን ኣቐሚጦም ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም ንናጽነትን ሓርነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንእስነቶምን ሂይወቶምን ካብ ምብጃው ሓሊፎም ዝፈጸምዎ ዝኾነ ይኹን ኣበሳ ኣይነበሮምን የብሎምን ድማ።። ባህግታት ህዝብና ንምርግጋጽን ንዝተሰለፍሉ ዕላማ ንምዕዋትን ኣብ ቃልሲ ተመሪሖምን መሪሖም፤ ኣብ ከበድቲ ወታሃደራዊ ስርሒትትን  ፖለቲካዊ ጉዳያትን ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዝፈጸሙን ደሞምን ዓጽሞምን ዝኸፈሉን ብጾት እዮም። ኣሰር ጀግንነቶም ኣብ ኣካላቶም ዘሎ በሰላ ጠያይት መግዛእትን ዝተቆርጸ ኣጻብዕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንሎሚ ብሓፍሻኡ ካብ ጎላጎል ስመጃና  ጀሚርካ ክሳብ  ጋሽ ባርካ ዝፈሰሰ ደሞም ዘይሕከኽ ኣሰር ገዲፉ ምህላዉ ክጠቅስ እደሊ። 

ጠንቂ መጭወይቲ ብጻይ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝተጠቕሰ ባህርያት ምልኪ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት  ዘይመልእ ናይ ናጻነት ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ስለምንታይ  ኮን ይኸውን ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ ነቲ ቅድሚ’ዚ ዕለት'ዚ  ኣብ ልዕሊ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦትን ዝሕስብ ዝነበረ ናይ መጭወይት፡ ቅትለትን ራዕድን ደምሳሲ ፈተነታት ገዲፈ፡ ነቲ ንኢሰያስ ዘይቀባበሎ ናይቲ እዋን ገለ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፍሉይ ርእይቶታት ምጥቃስ፤ ነቲ ኣንጊሁ ዝተበገሰ ግን ከኣ፡ ሰማዒ ኣእዛን ዘይረኸበን ሓይሊ ተቓውሞ ምንባሩ ዘየርከቡ  መንእሰያትና  ብሰነድ ሓበሬታ ምቕራብ ጠቓሚ እመስለኒ።

1. ቅድሚ ምጅማር፡ ናይቲ ኣብ ሎንዶን ክካየድ ዝሕሰብ ዝነበረ ርኽክብ ትሻዓተ ማዓልታት ቅድሚ ናጽነት ማለት'ዩ፤ መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ካልኦት 3 ውድባት ኤርትራ ብ16 ጉንበት 1991 ''እዚ ኣዋጅ'ዚ ዚኸተማ ኤርትራውያን ውድባት፤ ኣህጉራውን ሓፈሻውን ርእይቶ፡ ኣብ ሎንደን ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ርኽክብ፤ ንጎንጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወድዓዊ ምይይጥ ከምዝይበቅዕን ብውጻኢቱ'ውን ከምዘይምእዘዛን ይገልጻ'' ዝብል ገለ ካብ ትሕዝትኡ እዩ ነይሩ። እዚ መግለጺ'ዚ ምስ ተግባራትን ባህግታትን ኢሳያስ ብቐጥታ ስለዝራጸም፡ ነዚ እምንቶ'ዚ ዝነበሮ  ኣባል መሪሕነት ውድባት ኮነ ሃገራዊ  ግዜ ተጸቢዩ ከምዘጥፋኦ ፍሉጥ እዩ።

2. ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብ25 ጉንበት 1991 ካብ ዘውጽኦ መግለጺ ''ኢትዮጵያዊ ጎበጣ ኣብ ኤርትራ ብምስዓሩ ንሓፋሽ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ናይ ሓጎስ መግለጺኣ እናኣቕረበት፤ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ብምስምማዕ ክዓያን፤ ሃገራዊ ናጻነት ብምእዋጅ ኩሉ ዓቕምታተን ንሃገርን ሰውራን ንምክልኻል ክጸምድኦን ትጽውዕ'' ይብል። ሽዑ ምእዋጅ ናጽነት ሕማም ርእሲ ናይ ኢሳያስ ምንባሩ ኣብቲ ብዕለት ብ29. ጉንበት.1991 ኢሳያስ ኣብ ሎንደን ናጽነት ከምዘይእውጅን ንረፈረንዱም ክጽበ ምዃኑን ብዘቕረቦ መልሲ ውዱእኳ እንተነበረ፡  ብ4 ሰነ 1991 ኣብ ካርቱም ቓዓ ኣልሰደቓ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላን፡ ንምእዋጅ ናጻነትን ተሳትፎ  ውድባትን ብዝምልከት ቃለ ማሕተትን ቃል ብቓሉ ''ግዜ ረፈረንዱም ኣብ ዋዕላ ኢትዮጵያ ከምዝውሰንን፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ክሳተፍ ዝደሊ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እዘን ውድባት  ከም ዝኾነ ካልእ ዜጋ ንሃገሩ ተመሊሱ ክሳተፍ ይኽእል እዩ'' ክብል ኣፍሊጡ እዩ። ስምምዕን ልዝብን ዝብሉ ኣምራት እሞ፤ ንሜላ እንተዘይ ኮይኑ፤ በዓል ለይተን ስለዘይኮነ፡ ነዚ ካብ ርእይትኡን መደባቱን ዝተፈልየ መግለጺ ካብ ዘውጽኤ ውድብ ተጋደልቲ ብጾት ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ግዳያት ክገብሮም መን ዘይጽበዮ። መግለጺ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ኣዕሚቐን ይቕበራ ምንባረን ንውድባት ኤርትራ ዳግማይ መርድእ'ዩ ነይሩ። እዚ ንውድባት ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኮነ ግን፣ መሳርሕቱ ዝነበሩ’ውን ውሳኔታት ጉባኤኦም ይፈርስ ምህላዉ ክሓስብሉ ኣይካኣሉን።   

3. ኢሳያስ ኣብ እዋን ናጽነት ምስ ውድባት ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ዝራጸም ነይሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ውዓል ሕድር ከይበለት ናጽነት ኤርትራ ስለዝኣወጀትን ስለዝተቐበለትን፡ ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ብ30 ጉንበት 1991  ''ሓው ዝኾነ ህዝብን  መንግስትን ሱዳን ኣብዚ ምዕብልናታት'ዚ ኣብ ዝወሰዶ ኣወንታዊ መርገጽ ነምጉሶን ነተባብዖን ምዃና ነረጋግጽ''  ዝብል መግለጺ ምውጽኦም፡ ንመደባት መራሒ ምልካዊ ስርዓት ዝጻረር ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ንዘውጽኦ ኣዋጅ ናይ ናጽነት ስሒቡ፡ ክሳብ ናይ 1993 ህዝበ-ውከሳ ኣቐሚጥዎ ጸኒሑ። ዓንጸዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝባሃል ግን ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን  ንናይ ናጽነት ኣዋጅ ዝድግፍ ፍሉይ ርእይትኦምን ሓሳቦምን ዝውህለል ካብ ዝነበረ ምኽንያታት መሰወሪኦም እዩ።

4. ብዘይካ'ዚ፡ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝኣባላቱ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ፡ ነቲ ቀንዲ ሰረት ሓድነት፡ ልምዓትን ህንጸትን ዝኾነ ራእይ ውድብ፡ ብ7 ሰነ 1991 ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ ''ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት፡ ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ ዕማም ንምዕዋት መታን ክካኣል ፍልልያቱ ንጎኒ ብምግዳፍ፤ ሓቢሩ ክዓዪ ይጥለብ ኣሎ። ንሕና ምእንቲ ዝላዓለ ሃገራዊ  ጠቕሚ ኤርትራ፤ ኤርትራዊ ፍልልያት ነዚ መድረኽ'ዚ ክውንዘፍ እናጠለብና ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ኩሎም ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገር ንዝደጋገፉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምብጻሕ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ናጻነቱ፡ ኣረኣእያኡን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብኣረኣእያኤን ዝፈላለያ ሃገራውያን ውድባት ምህላወን ምኽሓድን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ክትቀብር ምፍታንን ፈጺሙ ዘይግባእን እዩ። እዘን ውድባት ኣበርክቶአን ክሳብ ክንደይ ዓብዪ ወይ ንእሽቶይ ነይሩ እቲ ተሳትፎ ብዘየገድስ፡ ብዝገበርኦ ኣበርክቶ ንዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ምክልኻል ንኸይሳተፋ ክኽልክለን መሰል ዘለዎ'ውን ዋላ ሓደ የለን'' ዝብል ነይሩ።

ኢሳያስ ንስምዒታት ህዝብና ከም ጽቡቕ  ኣጋጣሚ ተጠቒሙ'ዩ፤ ብ20 ሰነ 1991 ትኽ ብትኽ ንዝወጸ ኣዋጅ ሰውራዊ ባይቶ ዝጻረር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሎሚ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ናይ ህልቂት ጎደና '' ህግሓኤ ብዘይካ'ቶም ኣዝዮም ውሑዳት ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን ሃብቲ ህዝቢ ዚሰረቑን ዘጠፋፍኡን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቐርቡ፡ ኩሎም'ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብስም ውድባት ተጋግዮምን ተደናጊሮምን ዝጸንሑ ዜጋታት ብዘይ ገለ ስኽፍታ ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገሮም ክሳተፉ ክጽውዕ ሓላፍነቱ እዩ። ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ ከምዘየለን ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልቡብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ምጥቃም ከቢድ ገበን ከምዝቁጸር ግን ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ'' ዝብል መግለጺ ዝሃበ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብቲ 30 ሕቶታል ካብ ህዝቢ ተመምዩ ዝቐረበ ርክብ ምስ ህዝቢ ዝተባህለ ናይ 1996 መድረኽ ሕቶን መልስን እሞ ኸኣ ''ንቓለዓለም እንተዘይኮይኑ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነዛ ሃገር ነጻ ኣውጺእዋ'' ክብል እዩ፡ ንመላእ ህዝቢ ዝደርጐሓሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ወታሃደራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብምውጽኦም ራህዋ ዝረኸበ መሲልዎ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ጓይላን ታሕጓስን ተሸሚሙ ካልእ ዝሓሸን ጠቓምን ሓሳባት ምህላዉ ብዘይምስትብሃል፡ ነቲ ጎደና ውሕስነት ሃገርን ዜጋታታን ዝኾነ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ንነዊሕ መዋእል ዝጠመተ ጥዑይ ሓሳብ ይዝርጋሕኳ እንተነበረ፡ ዝሰምዖን ዝቕበሎን ኣካል ክረክብ ኣይካኣለን። ኣብ'ቲ እዋንቲ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ካብ ሽዑ ጀሚርና ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ  ኮይና፤ ነቲ ሃናጺ ሓሳብ  ውራየይ ኢልና ንምዕዋቱ  እንተንሓስብን እንተንቃለስን፡ ሎሚ ሃገርና ኣብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ብርሰት ኣይምሃለወትን።  ህዝብናውን ካብዚ ንሓልፎ ዘለና ህልቂትን ስደትን ምዳሓነ።  ድሕሪ'ቲ ባሓቲ   መግለጺ’ቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ፖለቲከኛታቱን ኮንደኾን ይማሓየሽ ይኸውን ዘብል፤ ናይ ምጥርጣር ምናልባሽ ክህልዎም ኣይምተገባኤን። ሽዑ ዘምለጠና ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ፖለቲካዊ መድረኽ ናይ ቃልሲ  እዩ ድማ ክሳብ ሎሚ ክንመልሶስ ይትረፍ፤ እንዳጸንሐ ክበታትነናን ክፈላልየናን ዝርከብ።

መጸዋዕታ ግብረ-እከይ ኢሳያስ ግን፡  ንምድህላል ዜጋታትን ንሓባራዊ ተሳትፎን ህንጸትን ዝዕድም  መግለጺ ሰውራዊ ባይቶ ከምዘይምልከቶ ንምርግጋጽን እንተዘይ ኮይኑ፡ መን እዩ መሓሪ መን’ከ እዩ ተመሓሪ? በየናይ ሕጊ እዩ ገበን ዝፈጸመን ዘይፈጸመን ተባሂሉ  ኢሳያስ ዝመምዮ?  አረ መን እዩኸ ዝመምን ዝምመን? ዝብሉ ሕቶታት ገዲፈ፡ እቶም ሃገርና ነጻ ወጺኣ እያ፡ ዕላማ ቃልስና ተረጋጊጹ እዩ ኢሎም፡  ብፍቓዶም ዓዲ ካብ ዝኣተዉ ገለ ገዳይም ተቃለስቲ ንምጥቃስ፤ ዑስማን ዳየርን፡ ማሕሙድ ዲናይን፡ እምባየ ሕድሩን ዝኣመሰሉኸ ዳኣ በየናይ ዓቃቢ-ሕጊ ተኸሲሶምን ኣየናይ ቤት ፍርዲ ብዝወሰኖ ብይንን እዮም፡ ኣብዚ ነጠቡ ከይተባህሉ ጠፊኦም ዘለዉ? ኣብ ስልጣን ኢሳያስ ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ፡ መተካእታ ሕግን ርትዕን፡ ቂምን ቅርሕንትን ምዃነን  ምዝንጋዕ ዘድሊ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ሎሚ፣ ብዙሓት ኣሰርትን ጨወይትን ዝነበሩ መራሕትን ካድራትን ህግሓኤ እዚ ከም ዝመጽእ ዘንጊዖም፣ ፍትሒ ስኢኖም ግዳይ ኢሳያስ ክኾኑ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኢሳያስ ግደፍዶ ኻልኦት ''ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ነጻነቱን ኣረኣእዩን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ'' ዝብል ሓሳባት ዝነበረን ሓይልታት ክቕበልስ፡ ህልውንኤን እውን ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዘይኣምን፡ ብተግባር እንተኾነ'ውን ነቶም ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ምቑጻይ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዘውጽኦ መግለጺታት ህዝብን መሪሕነት ህግሓኤን ክማሃርሉ ምተገበኦም።

 

5. እዚ ጥራሕ መኣስ ነይሩ፡ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ'ዚ ናይ ብሓትነት መግለጺ ውልቀ ምልኪ፡ ብ27 ሰነ 1991 ንኣባላቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ '' ሕጂ'ውን ከም ቀደም ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት መድረኽ እነሆ። ካብ'ዚ ዝፍጠር ዘሎ ሓናቒ ኩነታት ንምውጻእ ኩሉ'ቲ ዝካኣል ጻዕርታት ከካይድ እዩ። መላእ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምኑ ንተኣማመን'' ዝብል፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዳግማይ ደልሃመት ይኣትዉ ምህላዎም ተገንዚቦም፡ ንመሓውራት ቃልሲ ዘትርርን ዘደልድልን  ጸዋዒት ካብ ዘቅረቡ ኣባላት መሪሕነት እዞም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ተሸሪቡ ዘሎ ብጻይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን እዮም ነይሮም። ኣንጊሆም እምቢ ንምልኪ! ስለዝበሉ ድማ እዮም ግዳይ መጭወይትን ሃለዋት ምጥፋእን ኮይኖም ዘለዉ። ሎሚ 26 ሚያዝያ 1992 ክዝክር ከለኹ፡  ተጋዳላይ ወልደስላሰ ቻንቹ ካድር ማሕበር ሓረስቶት ተሓኤ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ሓደ ካብ ቀንዲ ፈለምቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፤ ድሕሪ ናጽነት ካብ መደበር ወዲ ሸሪፎይ ተጨውዩ ኤርትራ ምስ ኣተወ ዳሃይ ዘይብሉ ዝጠፍኤ፡ ተጋዳላይ ገብሪሂወት ቀለታ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ፤ ካብ ሱዳን ተጨውዩ ናብ ኤርትራ ምስተወስደ ኣብ 2000 ዓ.ም ተፈቲሑ ምስ ሓንቲ ጽጌናይ ትባህል ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ክዓዪ ጀሚሩ። ኣብ 2001 ዳግማይ ዝተሰወረ፡ ተጋዳላይ ገብረብርሃን ዘርኤ ኣቦ-መንበር ደምሓኤ ዝነበር፡ ካብ ሑመራ ኢትዮጵያ ዝተጨውየን ዝተሰወረን ገላ ውሑዳት ክጠቕስ ከለኹ፡ ግደፍዶ ንነዊሕ  ዓመታት ዝፈልጦምን መጋድልቶም ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራኦም ወሪዱ ንዘሎ ማሕበራውን ስነ-ኣኣምራውን ሕሰም ንዝግንዘብ ምረቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ሕልና ዘለዎስ ይርድኦ እዩ። ጸኒሑ ዝተጋህደ ቅትለትን ማእሰርትን ግፍዕን፤ መቐጸልታ እምበር፡ ሓድሽ ዝተፈጥረ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን። ሓደን፡ ክልተን፡ ሰለስተን ክጭወዩን ክስወሩን እንከለዉ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ድምጽኻ ምሕባእ እዩ ድማ፤ ንኢሳያስ ኣሻዲኑ መላእ ሃገር ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ህዝባ ቀይርዋ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ እዞም ክልተ ብጾት ን30 ዓመታት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕን ግፍዕን ምዃኖምን ምስዋሮምን፤ እቲ ንሳቶምን ብጾቶምን ዘልዓልዎ ቅኑዕን ሰፊሕን፡ ነዊሕ ጠመተ ራእይ ዝነበሮ መግለጺታት ኣብ እዋኑኳ ሰማዒ እንተዘይረኸበ፡ ሎሚ ግን፡ ናይ ኣፈጻጽምኡ ብልሓት እዩ ጠፊእዎ ዘሎ እምበር፡ ንመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ኣለልዩ፡ ብመንገዲ ሕድገታት፡ ምጽውዋርን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝሰረታ፡ ዲሞክራስያዊትን መሰል ዜጋትት እተኽብርን ፍትሓዊት ኤርትራ፤ ኣብ ዑናታት ምልኪ ክትከል ምቅላስ ዝብል ኣምር ኣብ ሰፊሕ ኤርትራዊ  ዜጋ ምስፋኑን ኤርትራውያን  ጉዳዮም ኣብ ኢዶም ክጭብጡ ምቅላሶምን ክትርእን ክትሰምዕን እንከለኻ፡ ማእሰርቶም ከንቱ ኣይተረፈን፡ ሰፊሑን ዓንቢቡን እምበር ኣይተቆጽየን። ኣብ መደምደምታ ዘብጽሖ  መንእሰይ ወለዶን ብጾትን በዚሖም ኣለዉ። መላኺ ስርዓት ሰባት ክኣስርን ክስውርን ይኽእል እምበር፤ ንኣታሓሳስብኦምን ርእይትኦምን ግን ከቶ ክኣስር ስለዘይክእል ድማ፡ ምረት ሕሰሞም  ጽንዓትን ተወፋይነትን ናይ ቃልሲ እዩ ዝፈጥር። ነቲ ''ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምዃኑ ንተኣማመን'' ዝብል ካብ መግለጺታት ውድቦም ድማ ክዉን ገይርዎ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁን ደቂ ደቑን ሓቚፉ ብሰላም ዝነብረላ፡ ክብራን ልኡላውነታን ዝዓቀበት፡ ሓንትን ብልጽግትን፡ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምርግጋጽ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ኩሉ ናይ ድሕረትን ምክፍፋልን ስምዒታት ሓራ ኮይኑ፡ ኣብ እንግድዕኡ ንዝተጻዕነ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ክፍጽም ከዘኻክርንን ፡ እቶም ነባራት ተጋደልቲ እውን፡ ካብ ነይሩኒስ እነሀኒ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ እንታይ ተራን ኣበርክቶን ነይርዎ  ንታሪኽ ገዲፉ፡ ሕጂ'ውን ህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሕሰምን ስቓይን ንምድሓን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዑ፡ እንታይ ክፍጽም ኣሎኒ ካብ ምባልን  ብሓባር ምብጋስን ክሃድም ከምዘይክእል ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይመርጽን። ወዲ ሰብ ሓላፋይ እዩ፡ ነባሪ ታሪኽ ሓዲግካ ምሕላፍ ግን፡ ዘይሃስስ መዘከርታ እዩ'ሞ ሓቢርና ንቃለሰሉ።  ጸልማት ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክዓስል’ዩ፡  ፍትሕን ርትዕን ድማ ክነግስ እዩ።

ምልኪ ፈራሲ፡ ሕሰም ሓላፊ እዩ!

ምልኪ ይደምሰስ፡ ፍትሒ ይንገስ!

ዓወት ንውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና