ግዜ ንሓደ እንዳተቐበለ፡ ደሓር ነቲ ዝተቐበሎ ኣፋንዩ ካልእ ቀዳምነት ሒዙ እዩ ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኣብቲ መስርሕ ብደረጃ ዓለም ዝረኣዩ ምዕባለታት ኣለዉ፡ በብኸባቢኡ ዝምዕብሉ ሰብ ተራ ዛዕባታት ከኣ ኣለዉ። ከባቢና ከኣ ውዑይ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ኩርናዕ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ብቱኒዝያ ዝጀመረ ደሓር “ናይ ዓረብ ጽድያ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ናይ ለውጢ ማዕበል፡ ብቱኒዝያን ብሊብያን ኣቢሉ ናብ ግብጽን የመንን ምስተላብዐ ንኣልጀርያን ሱዳንን እውን ብጐቦ ዓይኑ ክርእየ ጸኒሑ። ናብ ኢትዮጵያ እውን ፍልይ ዝበለ ኣገባብን መልክዕን ሒዙ ተገማጊሙ። ኣብዚ ኩሉ ተርእዮታት፡ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብትሑት ዋጋ ሓያል ለውጥን ህዱእ ቀጻልነትን ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸሉ ተመኩሮ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ ከኣ፡ እቲ ከቢድ ሓላፍነት ለውጢ ምምጻእ ዘይኮነ፡ ነቲ ለውጢ ከተቐጽል ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ምዃኑ ኣብዚ ተመኩሮ ተራእዩ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ነቶም ቀንዲ ዝምልከተና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጋህደ ዘይግሉጽነት ዝዓብለሎ ምሕዳስ ዝምድና፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ናይ ስግር ባሕሪ ጐረባብትና ብዘይግሉጹነት ኣብ ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ዝደናደን ሓደገኛ ውዕላት ምፍጣሩ ካልእ ኣዛራቢ ዛዕባታት ነይሮምን ጌና’ውን ኣለዉ። ኮታ ኩሎም እዞም ምዕባለታት ዋላ’ኳ ህግዲፍ ድንን ኢሉ ነቲ ሓቂ ከስሕቶም እንተፈተነ ከከም ርሕቀቶምን ቅርበቶም ንኤርትራዊ ጉዳይና ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ክጸልውዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዮም።

ወዮ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ኣብቲ ዘለዎ ጠጠው ክብለሎም ክምህለልሉ ዝጸንሑ መራሺ ናይ ለውጢ ማዕበል መዓልቱ ቆጺሩ፡ እነሆ ናብ ኣልጀርያን ጐረቤትና ሱዳንን ደበኽ ኢሉ፡ ናይ ጎደቦና እዋናዊ  ኣጀንዳ ኮይኑ። እዚ ማዕበልዚ ኣብ ሱዳን ጥራይ ጠጠው ዘይብልን ናብ ኤርትራ ዝልሕምን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ናይ ብሓቂ ለውጢ ንክኸውን ጽኑዓትን ውዱባትን ዋናታት የድልይዎ። ኣድማዕነቱን ቀጻልነቱን ከኣ ብትብዓት፡ ጽንዓትን ኣርሒቕካ ምሕሳብን ናይዞም ዋናታቱ ዝውሰን’ዩ። ጭቡጥ ዋና እንተዘይረኺቡ ግና ከም ናይ ሊብያ፡ ሱርያን የመንን መዕንደሪ ናይ ግዳም ሓይልታትን ተለኣኽቶምን ይኸውን። ሱዳናውያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብጠንቂ ምውሳኽ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝወልዕዎ ናይ ለውጢ ሽግ ንከይቅህም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ትንፋስ ዘይህብ ድፍኢት ነቲ ብፕረሲደንት ብዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝምራሕ ወጻዒ መንግስቲ ኣንበርኪኽምዎ። እቲ ቁጠዐ ናይ ናህሪ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት ወጽዓ እኩብ ድምር እዩ።

ሱዳናውያን ክሳብ ሕጂ በጺሐምዎ ዘለዉ ደረጃ ክምዘን እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ከባብና ዝተራእየ ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ለውጥታት ተመኩሮ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ምርዳእ ይከኣል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪል ናይ ለውጢ ሓይልታትን ብጎቦ ዓይኒ ምርእኣዮም ካብ ተመኩሮ ግብጻውያን ዝተማህሩ ይመስሉ። ክንድቲ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ንምእላይ ዘርኣይዎ ብዝኾነ ብዙሕነት ናይ ዘይምፍልላይ ጽንዓቶም፡ እቲ ለውጢ ምስ መጸ፡ ምምሕዳሩ ብዝምልከት ዝነበሮም ውዱብ ምድላው ትሑት ምንባሩ ከኣ ንዕዘብ ኣለና። ነዚ ኣቐዲምካ ናይ ዘይምድላው ሃጓፍ መሊእካ፡ ካብቶም ነዚ ለውጢ ክጭውይዎ ዝደናደኑ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ናፈቕቲ ከተንድሕኖ ምኽኣል ቀሊል ከምዘይከውን ከኣ ንርእዮ ዘለና እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ኣብ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምብጻሕ እቲ ጉዕዞ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ጉዳይ ሱዳናውያን ጉዳይናውን’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ዋኒናስ ናትና ኤርትራዊ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ጉዳይና ካብ ጉዳይ ጐረባብትና ሱዳን ኮነ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጉዳይዞም ጐረባብትና ክለዓል እንከሎ ኣእዛና እንጸሉ። ምስ ሱዳን ዘለና ምትእስሳር ከኣ ታሪኻውን ቃልሳውን እዩ። ዓወት ሱዳናውያን ዓወትና እዩ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዓወትና ክረጋገጽ  ኣዝዩ ዕዙዝ ጽልዋ ዘለዎ እዩ።  ዲክታተር ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዘሎ ጠብሎቕሎቕ፡ ሱዳናውያን ለውጦም ከበርዕን ኢዱ ከይሰደሎም ክጥንቀቕሉ ይግበኦም።

ካብዚ ሱዳናውያን ኣሕዋት ዝኣትዉዎ ዘለዉ ምዕራፍ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ብዙሕ ተረኽቦታት ኣሎ። ሱድናውያን ናይ “ክፋያ” ወፍሪ ሒዞም ናብዚ ኣትየምዎ ዘለዉ መድረኽ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ቅድሚት ዘምጽእዎ መወልዒ ዛዕባታት እንታይ ምዃኖም ተጠቒሶም ኣለዉ። ንሕና ከም መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ከነልዕሎ ዝጸናሕና ናብዚ ናይ ሎሚ “ይኣክል” ማዕቢሉ ዘሎ ሕራነ ክንመጽእ ዝድርኸና ዛዕባ ምስ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝመጣጠን ዘይኮነ፡ “ወጽዓ” ዝብል ቃል ዘይገልጾ፡ ናብ ግህሰት ልኡላውነት ሃገርን ብርሰት ህዝብን ዝደናደን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ከቢድ ሕቶ ዘልዕል ዘሎ እዩ። ስለዚ ክብደት ወጽዓና ካብ ናይ ሱዳናውያን ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ። ሱዳንውያን ነቲ ኩለመዳያዊ ብዙሕነቶም ብምምዝማዝ ንምክፍፋሎም ዝተሃቀነ መኪቶም፡ ብመጠበሪ መብጸዓታትን ጽገናታትን ወጻዕቲ ከይተዓሸዉ፡ ኣብቲ ንኹሎም ዘርበሖም ኣትኪሎም እሞ ንወጻዕቲ ትንፋስ ብዘይህብ ቅልጣፈ ደፊኦም ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ለውጢ ክበጽሑ ምኽኣሎም ክንቀስሞ ዝግበኣና ኣገዳሲ ተመኩሮ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሕሪት ኣብ ዘሎ ጉዕዘኦም’ውን ብዙሕ ንመሃረሉን ንጐርሓሉን ተረኽቦታት ከጋጥመና እዩ። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና፡ ጉዳይና ምስ ጉዳይ ሱዳናውያን ኣዝዩ ዝመሳሰል እምበር፡ ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኮነ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተመኩሮኦም ናብ ኤርትራዊ ኩነታት ናይ ምቕናዩ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ካለኦት ተመሃሮ ጥራይ ከይኮና፡ ናትና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቅዲ ክንቅይስ ይግበኣና።

ብሓፈሻ ካብተን ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሓልፋ ዘለዋ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ካብዘን ዳሕረዎት ኣልጀርያን ሱዳንን ክንመሃር ዝገበኣና ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ጥራይ ክንከውን ኣይመተገብአን። ወዮደኣ ተማሂሩ ዘጽንዕን ጥዑይ ሓሳብ ዘብቁል ኣእምሮኡ መኺኑ እዩ እምበር፡ ኢሳይያስ’ውን ጽባሕ ብእዝኑ ካብ ዝውጠጥ ነዚ ከቢብዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ሃዋህው ክመሃረሉ መተገበአ። ሰራዊት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ነዚ ኩነታት ክመሃረሉን ብህዝባዊ ወገናውነት ሰራዊት ሱዳን ቅዱስ ቅንኢ ክሓድሮ ዝግበኦ ኣካል’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ሱዳን ንህዝቡ ዝተበጀዎ፡ ሰራዊ ኤርትራ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ንህዝቡ እንተነፊግዎ ኣይኮነንዶ ንዓኡ ንዓና’ውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ታሪኽ’ዩ  ክኸውን።

ስለዚ ወጽዓና ካብ ወጽዓ ሱዳናውያን ዝኸበደ ካብ ኮነ፡ ካብቲ ወጽዓ ክንወጽእ ንኸፍሎ ዋጋ ካብቲ ናይ ሰዳናውያን እንተኸበደ’ውን ክንከፍሎ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ተመኩሮ ዕዉታት እንዳተመኮርካ ካብ ምቕጻል ካልእ ኣቋራጭ ናብ ራህዋ ዘብጽሕ መንገዲ ስለ ዘየለ።

በጅኦም ስዉኣትና፤ ብጅኦም ስድራ ስውኣት፤ ብጅኣ ምጭውቲ ሃገርና ኤርትራ። ሃገር ትኸይድ፤ ንሕና ነህተፍትፍ። ወረግ ግርም ጌርና ከነቃልሕ ጀሚርና ኣሎና። ፍታሕ ንምርካብ ግን ዝተጨበጠ ነገር የለን። ጊዜ ይኸይድ፤ መላኺ ስርዓት መጻንሒ እናገበረልና ንሱ ግን ስርሑ ይገብር ኣሎ። ፈሊጡና፤ ኣጽኒዑና፤ ደፊሩናን ንዒቑናን እንድዩ፤ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣና ኣቢሉ ንዓና ንክመልኽ ተዓዊቱ፤ ወላ እናጨራሕና መገዱ ኣይቀየረን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣይክቅይርንውን ኢዩ፤ ስለምንታይሲ ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ በጺሕዎስ ነፍሱን እንታይነቱን ስለዘቃልዐ፤ ንድሕሪት ምምላስ ኣይንጥቕሙን ኢዩ።

እቲ ዝገርም እቶም ፖለቲከኛታት ንብል ሕሳባት ናህናን ናይ ውድባትናን ዓጢጡና ነቲ ርሑቕ ኣቕሪብናዮ ንኸይድ፥ እቶም ምሁራት ኢና ንብል፤ ምናልባሽ ኢስያስ እንተተዓወተ ኢልና ግዲ ንሓስብ ኵይንና፤ ንድሕሪ ”ሓድነት” ንሓስብ ዘለና፥ ማለት ድሕሪ ሓደ ምዃን ከመይ ገርና ብስም ኤርትራ ሓላፍነት ንረክብን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ንዋሳእን ዘገድሰና ዘሎ ከይንኸውን የጠራትረኒ። ብዝተረፈ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ፥ ኣብ ጊዜ ምፍንጫላት ብትንተናታቶምም ጽቡቕ ገይሮም ዘጋፍሑ ዝነበሩ ድኣ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ?  እቶም ተማሂርና ኢና ንዑ ክንምህረኩም ንብል ዝነበርናኸ ፍታሕ ከመይ ከምዝርከብ ክንምህር ዘይንዛተየሉን ዘይንማኸረሉን ቆራጽ ውሳነ ወሲድና ኣብ ህዝቢ ዘይንቐርበሉን እንታይ ኢዩ ምኽንያቱ? ጥር-ጥር ኢልካ ትንተናን ሚዛንን ብምሃብ ጥራይ ምኻድ ካብ ሃጠውቀጠው ሓሊፉ እንታይ ትርጉም ኢዩ ክወሃቦ። እቶም ሞጎስ ዝግብኦም እቶም ኣብ ፈቀዶ ከተማታት ዓለም ብኤርትራውነቶም ተኣኻኺቦም ተቓውምኦምን ስግኣቶምን ብንጹር ዝገልጹ ዘለዉ ኢዮም፥። መን ኢዩ ክጥርንፎም? መን ኢዩ ነዞም ኩሎም ኣብ ሓደ ጽላል ዝእክቦም ዝብል ሕቶ ከይፈታሕና ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ጽባሕ ስራሕ ኢሳያስ ጋህዲ ምስ ኮነ ኣብ ናይ ሓዘን ኣደራሻት ኢና ክንራኸብ፤ ናይ መጻኢ ገዲፍና ድማ ነንሕድሕድና ከምንካሰስ ኣየጠራጥረንን።

ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ውድባት፤ ሲቪካዊ ማሕበራት፤ ምኩራትን ብዕድመ ዝደፋእኩም ውልቀሰባት፥ ኣንቱም ብኹሉ መለክዒ ዝተበደልኩም ተባዓት መንእሰያት (ኩላ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን)፤ ምስ ኩሉ ንገብሮ ዘለና ምልዕዓላት፥ ኣብ ሓደ መጺእና ከም ሓንቲ ኣካል መሪሕናን ተመሪሕናን እንኸደሉ መንገዲ ምንዳይ እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ዕላማና ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ነዚ ንምግባር ድማ ምብጋስ ናይ ኩላትና ግደ ኳ እንተኾነ፤ እቶም ኣብ ቅድመግንባር ውልሕ ዝብሉን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዝዕደሙን ኩሎም ነዛ ዕላማዚኣ ከዕውቱ ክንቀሳቐሱ ከምዝግብኦም የማሕጽን። ብፍላይ ኤሪትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት፤  ነቲ ዘለወን ተፈላጥነትን ውድባዊ ተሞክሮታትን ተጠቒመን: ነዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዕላማ ንከዐውታ ምቹእ ባይታ ስለዘለወን፤ ኣብ ምብጋሱ ግደታተን ከልዕላ እምሕጸን። ብዝተረፈ እዚ ህዝብን ሃገርን ብምጽናትን ብምድኻምን ንህዝቢ ኤርትራ ጻምኡ ከይረኸበን ሃገሩ ብገዝእ ኢዱ ከማዕብል ዕድል ከይረኸበን፤ ብሃታሃታ ኣብዘይሓሰቦ ንምውታፉ ዝግበር ዘሎ ግሁድ ጉዕዞ፤ ንከይዕወት ዝኽልኽሎ ከምዘየሎ ይረኣየኒ። ከምቲ ዘረባ ኣበው፥ ወዮ ከብቲ` ተወሲደን`የን፤ እንተ ጸርፊ` ዝገደፍናሎም የብልናን ኮይና ከይንተርፍ። ነዚ ናይ ኣጸሓሕፋ ድፍረተይ ሸለል ኢልኩም፤ ኣብቲ ቁምነገር ክተተኩሩ ድማ ብትሕትና እሓተኩም።

ተኽለ መለኪን

16/4 - 2019

ኣልኣዛር ክዝክረካየ ሎሚሲ

ኣልኣዛር ከልዕለካየ ሎሚሲ

ኣባሓጎኻ ዘርኤ ሓራሲ ሓፋሲ   

ኣቦካ ቀለተ ዘማሪ ቀዳሲ

ኣልኣዛር ወዲ ጓል ኣምሕኒት መራሺ ተኳሲ

ምንኣስ እድሪስ ዓዋተ ኣብቲ ርሱን ቃልሲ ::

       ወዲ ወዶም እንዳቦይ ዘርኤ ኣልኣዛር ሓየተ

       ሓዊ በላይ ሓዊ ኢትባረኽ ወዲ ኣቦይ ቀለተ

       ኣንታ ጎይታ ቃልሲ ጎይታ ማሕበር ሸውዓተ 

       ኣንታ ጎይታ ጠባይ ኣቦ ኣማን ሓዊ መብራተ

       ኣንታ ሓዊ ሙሉ ሓዊ ሂወተ፣ ሓዊ ኤደን ሓዊ ገነተ

       ወዲ ሓው ነቦይ ምሕረትኣብ ወዲ ቀለተ

       ሰብ ጥዕና ኣለው ይበሃል እንተዘይሞተ::

ኣልኣዛር በልዎ ይለዓል ኣልኣዛረይ ንበል

ወዲ ጓል ዘርእጋብር ወዲ ኣደይ ገብሪኤል

ኣንታ ለዋህ ለጋስ ኣንታ ጽላል ዕቦል

ኣቦ ኤርትራ እንዲካ ተዳፋኢ ማዕበል

ኣቦ ኤልሳ ንስካ ናይ ጎቦታት ጸበል

ታሪኽካ ረኪበዮ ብዙሕዩ ብኣካ ዝዕለል

ድርብ ዝዕጥቕካ ሓጺር በሪክ ኣንታ ጎብለይ።

     ሕጂባ ዘረባ መጸ እኖሄልካ ዘረባ

     ድንበዛናይ ተባዕ ወዲ ማይ ወዘባ

     ጅግንነትካ ዘደንቑ ካብ ርሑቅ ቀረባ።

     ጸላእትካ ይርዕዱ ምስ ትስቀል ኩርባ

     ከም ዝናብ ተዝንበሎም እሳት መሸንበባ

    ሓዊ ትኽዕወሎም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ።

ኣንታ በዓልቲ ዓቅሊ ወናኒ ተጻዋርነት

ጓል ኣቦይ ብላታ ነጋሲ ሰበይትካ ኣብርሄት

ኩሉ ጊዜ ዕውት ኢኻ በቲ ናታ ጸሎት

ብኣካ ትሓስብ ብኣካ ትትኽዝ ንግሆ ይኹን ምሸት

ብኹሉ መገዱ ብኹሉ እንታይነት

እዚ እዪ ከኣ ቀንዲ ምውቅ ሓዳር ማለት።

     ኣልኣዛር ቀለተ ትሰምዓኒ ዶ ኣሎኻ

     ደቀምሓረ ጎልጎል ዓቢ እንዳ ኣቦኻ

     ዮሴፍን ሚኪኤለን ክልቲኦም ደቕኻ

     ሓዲኦም የማናይ፡ ሓዲኦም ጸጋማይ ዓይንኻ

     ኣየወ ኩሉ ርኢናዮ ትድርብ ቓልስኻ

     ሃገር መጀመርያ ሰሪዕካያ ከም ቀዳማይ ምርጫኻ

     ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሓሊፉ ኣብቲ ኩሉ ጉዕዞኻ

     ቃልስካ ግን ኣይመከነን ደው ኣይበለን ኣባኻ፡

     ንውላድካ ኣውሪስካዮ ዋዕሮ ኣላ ብድሕሬኻ።

ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ተባሂልካ ኽትምቓሕ ኣብ እስርቤት

ንኹሉ ጢዒምካዮ ኢካ ቲ ናይ ቃልሲ ምረት

ምስ እቶም ቀዳሞትየ ሰሪዔካ ናይ ገድልና ሰረት

ኣንታ ጎይታ ሰላም ጎይታ ስምረት

ጎይታ ስመጃና ጎይታ ዓረት

ጎይታ ዶሽካንዲካ ኸቢድ ብረት

ክንዋጋእ ከሎና ምስ ናይ ደርጊ ሰራዊት

መኪናካ ብቀትሪ ትውንጨፍ ንቅዲሚት

ከይፈራህካ ብድፍረት ንናይ ጸላኢ ነፋሪት

ኣቦ ዮሴፍን ሚኪኤልን  ዶ ክብለካ ወዲ ዓዲ ሓየት

ታሪኽካ ተወቂጡዪ ተጻሒፉ ኣብ ሰነድ ምስ እቶም ቀዳሞት

ምእንቲ ባንዴራካ  ትዋደቕ ምእንቲታ ሰማያዊት።

      ኣርሓ ናይ መዓልዲ በዓል ድርብ መንጉዳ

     ንእስነት ሓሊፋካያ ንእስነት ዕዳ

     ኣንታ ሰባር ቅልጽም ሰባር በረኾዳ

     ወዲ መድሃኒኣለም ዕባይ ገዛ ባንዳ

     ዕባይ ናይ ላጌቶ ወደ ኣስመራ ጻዕዳ

     ሕጂ ከ ስሬካ መኖምዮ ክወስዳ።

እንዳቦይ ዘርኤ ብስድርኦም ተቃሊሶም ብሓባር

ኣርዕዑት  መግዛእቲ ጸላኢ ንምውዳቕ ንምስባር

ሪሂጾም ተኣሲሮም ደኪሞም ሃገራውነት ንምትግባር

ቀሊል ኣይኮነን ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ምስግጋር ።

       ንህዝቢ ኤርትራ ነጻ ከውጽኦ ከልብሶ ሐርነታዊ ብርሃን

       ደስ እዩ ዝብለካ ከም ናቱ ናይ ቃልሲ ኣባል ምኳን

       ኣብ ዝኮነ ግዜ ኣብ ዝኮነ ሰዓት ኣብ ዝኮነ እዋን

      ምስ ማሕበር ሸውዓተ ኮይኑ ተቃሊሱዩ ኣቦይ ዓንደብርሃን ።

ተክለብርሃን ዘርኤ ክመጽእ ናባካ

ጽምዲ ኬንኩም ጀሚርኩም ቃልሲ ምስ ሓውካ

ብዓል መን ነበሩ ኣብቲ ጉዕዞ መማክርትካ

እንታይ ነበረ መሳርያ ስንቂ ናይ ቃልስኻ

ግልጽ ከይበልካ ንድሕሪት ምስቶም መሳቱካ

ጦብላሕ ይብለና ወትሩ ተዘካሪ ጅግንነት ሓቦኻ።

      ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኣንጊሁ ዝመከተ

     ተክለብርሃን ዘርኤ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ

      ኤርትራ ኣይትግዛእን ዝበለ ደው ኢሉ ዝተማጎተ

      ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዐደየ ዓደየ ክበሃል ዝከተተ

     ንቓልስና ጀሚርኩም ተከልክምሉ  እምኒ መሰረተ።

ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ድሕሪ ምንህሃሩ

ምእንቲ ዛ ኩሉ ዝብህጋ ኩሉ ዝደልያ ሃገሩ

ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ኣብ ናኩራ ተኣሲሩ

ብፖለቲካዊ ጉዕዞ ናይ ተክለብርሃን እንተተዘኪሩ

ናይ ምንቕቃሕ ትምህርቲ ዩ ዝከውን ንሓዋሩ 

በዚ ከይኣከለ ኣብ ጀብሃ ደቁ ኣዓስኪሩ

ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ስድራኩም እንድዩ ኔሩ።

        ኣልኣዛርይ ቅሰን ቅሰን ኩሉ ዓሲልዎ ቃልስካ

       ተኪእካ ኣሎካ መንእሰያት ዝርከቡ ሕድርካ

       ቀሪቡ እዩ ሺግ ሓርነት ክበርህ ኣብ ዓድካ

       ክገሃድ ሕልሚካ  ክትረክብ ጻማ ጻዕርካ

      ኽምንቆስ ክምሖ ዲክታተር ጸላኢ ህዝብካ።

ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንስውኣት ኤርትራ

መንግስተ ሰማያት የዋርስካ።

ካብ ሓውካ ኣስመላሽ ክፍሊማርያም ሕ.ሃ.ኤ

ህይወት ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ከም ዘሎ ንማንም ስውር ኣይኮነን። ህዝብና ምሒር ተዓፊኑ እምበር ለውጢ ዘይደሊ ኣይኮነን። ብዛዕብኡ እውን ምዝራብሲ ደጊም  ዘድሊ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ብዘረባ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ ኩነታት ግርም ጌሩ ኣብሪህዎ ኣሎ። እዚ ማለት ጎነጽ እዩ ለውጢ ዘምጽእ ንምባል ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ዘረባ ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል ትልሚ ስለዝተሳእነ እዩ።

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ነቕ ዘይብል ሓጺናዊ ኣርዑት ይጭፍጨፍን ዓዱ ሓዲጉ ሃጽ ንኽብልን ብደጋዊን  ውሽጣዊን ዝእለም  ሽርሕታትን ፍሕሶታትን መሊኡ እዩ። እዚ ፍሕሶታትን ሽርሕታትን እዚ ዝተጠናነገ ኮይኑ ሓደገኛ ውጽኢት ዝህልዎን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ ሓቢሩ ንናይ ጽባሕ ራኢ ዘለዎ ህዝቢ ክኸውን ቃልሲ ንኸየካይድ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ፍልልያትን ኣይከኣለን። ዘለናዮ ግዜ ድማ ካብ ምልኪ ንዲሞክራሲ እንሰገጋረሉ መድረኽ ስለ ኾነ፥ ነዚ መድረኽ ኣዚ ንምግጣም እቲ ንጽባሕ ዝብል ራኢ ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ ክዕወተሉ ዝኽእል። እዚ ነቲ ሕሉፍ  ማለት ገሊኡ ከይረኣናዮን ገሊኡ ድማ ዝረኣናዮን ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና ክንዋሳእ እንተፈቲንና ንፍቶ ንጽላእ ኣብ ዓቢ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢና ክንሽመም።

ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ፡ ተመሊሱ ዝእረም ወይ ዝምለስ ስለዘይኮነ ኣብቲ ህልዊ ኣምጺእና ንመጻኢ ዝትለም ብኣሉታ ክጸሉ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ነቲ  ሕሉፍ ተቐቢልና ነቲ ህልዊ ዝዕንቅፈና ነገራት ምእንቲ ከይድገም ክንመሃረሉ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ህልዊ ሽግራት ምስቲ ናይ ሕሉፍ ምትእስሳር ክህልዎ እንተኸኣለ ናብቲ እዋናዊ ሽግራት ክፈትሕ ዝኽእል መንገዲ ሃሰው ክንብል እዩ ዝግባእ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣውቶቡስ ክጽበ ጸኒሑ ገዲፋቶ እንተኸደት እቲ ጉዳይ ሓሊፉ እዩ። ብዛዕባኣ ክዛረብ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብዛዕባ ከመይ ገይሩ ናብቲ ዝደልዮ ክበጽሕ ክሓስብ ኣለዎ ከም ማለት እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ህልዊ ሽግራትና እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ክንመራመርን ክንፈልጥን የድሊ። ናይዚ ርኡይን ዝጭበጥን እዋናዊ ሽግራት እዚ ከይፈታሕና ናይቲ ዘይረአን ዘይጭበጥን ናይ መጻኢ ትልሚ ብሃንቀውታ ወይ ብተስፋ ክንፈትሖ ዝከኣል ኣይመስልን። እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ነቲ ናይ ህልዊ መድረኽ ዘሳንን፥  ህዝቢ’ውን ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቕበሎ ክፍጸም ዝከኣል ዕላማን ናብኡ ዘብጽሕ  ስጉምትን ምትላም የድሊ። እዚ እውን ንጹር ዝኾነ ማለት ንናይ ሎሚ ዘለኻዮ ሃለዋት ርኡይን ጭቡጥን ጸገማት ገዲፍካ ንዝመጽእ ምሕሳብ ከንቱ እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን በበይኖም ጓይላ ተኺሎም ከብሮ ምህራም ነዚ ምልኪ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንቅይሮ ኣጠራጣሪ እዩ። ስለዚ እቲ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ሰልፍታት ከምኡ ውን በርገሳውያን ማሕበራት ተመላላእቲ እምበር ተነጻጸግቲ ክኾና ከለዋ ኩለን ንስልጣን ዝቋመታ እየን ክኾና።  

ኣብ መወዳእታ ነቲ ህዝቢ ኣብ ኣደናጋሪ ሓሳብ ከይኣቱ ንጹር ዝኾነ ሓሳብ ክወጽእ ኣለዎ። ቅዋም ይተግበር ዘይኮነ ሽግርና፡  ስርዓት እዚ የልግስ ይተኣለ ዝብል ክኸውን ኣለዎ እቲ ጭርሖና። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ በብናቱ ናተይ ይበልጽ ናባይ ተወደቡ እናበለ ዝወዳደብ፡ ነቲ ሃገራዊ ክውንነትና ናብ ዘየድሊ ናይ ስልጣን ቁርቊስ ገጹ ዘድህብ እምበር ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣይክሰርሕን እዩ። ምስ እዚ እውን በቲ በበይንና ጓይላ ምትካል ጽባሕ ንግሆ ካብቲ መላኺ ስርዓት ዝገደደ ሰሊኾም  ከይመጹና እውን ክንጥንቀቕ ዕድል ኣይክህበናን እዩ። እዚ ኣወዳድባና ብዘይጠቅም ሃበስ ቀደስ ምኽንያታት ኣምጺእካ ምውዳብ ንሓባራዊ ራኢ ከንውንን ዝዕንቅጽ እዩ። ምኽንያቱ ናብቲ ዝደለ ዘሎ ሓባራዊ  ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ንህልዊ ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይከውን ናብ  ጦብላሕታታት ወይ ጥሙሓት ከእትወና እዩ። እዚ ብወገኑ ከምቲ ብዓረብኛ ዘሎ ምስላ  ፡”ኣና ኣሚር ዎእንታ ኣሚር ምን የሱግ ኣልሓሚር።” ትርጉማ ድማ፥ “ኣነ ጎይታ ንስኻ ውን ጎይታ ነቶም ኣእዱግ መን ክመርሖም እዩ።” ከይክውን ነገሩ ዘተሓሳስብ እዩ። እነሆ በሉ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ንኽጠፍእ ነታ ዓዲ ኣብ ምድኻም ተዓዊቶም ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ መደባት ከተግብሩ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ እቲ ቅድሚ ገለ መዓልትታት ብመራሕ ጂቡቲ ዑመር ገይለ ብጉዳይ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣበይ ክትምስርቶ እያ ተባሂሉ ምስ ተሓተ ዝሃቦ መልሲ፥ ”ኣብ ባጽዕ” ዝብል ነበረ። እዚ እዩ እምበኣር ሰላሕታ ወራር ብኾፍና፥ ንሕናንከ ክንፈላለን ክንመናጨትን ከሎና፥ “እቲ ገመል ይኸይድ ኣኽላባት ድማ ይነብሑ” ይመስል እቲ ጉዳይ።

መወዳእትኡ የጸብቆ

Saturday, 13 April 2019 09:01 Written by

እቲ “ቀውዒ ዓረብ” ዝብል ስያሜ ዝተዋህቦ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዕምሪ ምልካውያን ስርዓታት ዝሓጸረሉ እውን እዩ ነይሩን ጌናውን ይቕጽል ኣሎ። እዚ ዕምሪ ምልካውያን ብኽልተ መገዲ እዩ ዝሓጽር ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ህዝባዊ ናዕቢ ኮይኑ፥ እቲ ካልኣይ ብደጋዊ ሓይሊ ዝተሰነየ እዩ።

እተን ከም ኣብነት ብደጋዊ ሓይሊ ዕምሪ ምልኪ ዝሐጸራ ሃገራት በዓል ዒራቕ፥ ሊብያ፥ ወዘተ ክኾና ከለዋ፥ እተን ብህዝባዊ ናዕቢ እሞ መወዳእትኡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ  ስልጣን ዝጨበጠለን እየን። እዚ ድማ ኣብ ከም በዓል ግብጺ፥ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ህዝባዊ ናዕቢ እቲ ስልጣን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ ጨቢጥዎ። እዚ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ክሳብ ክንደይናይ ሓያል ምዃኑ ትምህርቲ ክንቀስመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ንደምበ ተቓውሞ ንሓያሎይ ዓመታት ነቲ ስነፍልጠታዊ ተንታኑ ኣዘንቢዕካ ተመኩሮ ዘይጎነጻዊ ከምዘይዕወት ገርካ ዝቐርብ ዝነበረ ዘእርም እዩ።

ብዝኾነ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ዝወድቕ ኣሉታውን እወንታውን ሸነኽ ክህልዎ እዩ። እቲ እንታይነት ናይቲ ስልጣን ዝጭብጥ ሓይሊ  ነታ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነት እዩ ክመርሓ ዝብል ሓደጋታት ዝሓዘለ ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ምልክት ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ተመኩሮ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣኑ ብሰላማዊ መገዲ ንህዝቢ (ስቪል) የረክብዶ።? ወይ ስልጣን ብሒቱ ከምቶም ዝቐደሙ ስልጣን ጨቢጦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቸቸይ ዝበሉ  እዩ ከኸውን?

ንኣብነት ኣብ ሱዳን ብ1969 ብህዝባዊ ናዕቢ ኣቢሉ ጀነራል ኑመይሪ ነቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ድሕሪ 16 ዓመት ስልጣኑ ንህዝቢ ከየረከበ ነሱ ውን ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ። ሽዑ ነቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብጀነራል ስዋር ኣልዘሃብ ንሓደ ዓመት መሪሑ ብሰላማዊ ኣገባብ ስልጣን ናብ ስቪል ኣመሓላሊፉ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኩሉ ግዜ ስልጣን ዝሕዝ ወተሃደራዊ ሓይሊ መብዛሕትኡ ግዜ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምልካዊ ምሕደራ እዩ ዝኣቱ።

ስለዚ ሓድሓደ ከምቲ ናይ ጀነራል ስዋር ኣልዘሃብ ስልጣን ዝጭብጡ ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ከሰጋግር ዝገበሮ ኣይሰኣንን እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ሱዳን ድሕሪ ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ። ከምቲ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ዝበሎ ድማ ነቲ ስልጣን  ንኽልተ ዓመት ክመርሖ ምዃኑ እምበር ድሕሪ ክልተ ዓመት እንታይ እዩ እቲ ትልሚ ኣይገለጸን። ኣብዘን ናይ ክለተ ዓመት ናይ ስልጣን ግዜኡኸ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኢዩ ክገብር ዝብል ዓብይ ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ኣይንረስዕ።

ኣብ ናትና ተመሊስና ከመይ ክኸውን እዩ? ዝብል ሕቶ ክንምልስ የድሊ። ኩነታት ኤርትራ እንተተመልኪትና እቲ ወድዓዊ ኩነት ደጊም በሲሉ እዩ፥ እቲ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን በዓል ቤታዊ ዓቕሚ ግን ጋና ኣይበቐዐን ዘሎ። ኣይበቐዐን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተመኩሮ ናይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ዘይምህላው፡ ከምኡ’ውን እቲ ኣተሃላልዋ ደላይ ለውጢ ገሊኡ ንውደባን ጥርናፈን ዝጸልእ፥ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ድማ ንሓድሕደን ዘይቃደዋን፥ ነፍሲ ወከፈን ገደብ ሓላፍነተን ኣብ ዝሰሓታሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘለና። ሳልሳይ ነጥቢ እታ ሃገር ንኹልና ተቓወምትን ደገፍትን ብሓባር ትምልከተና ክንሳ፡ ነቲ ደጋፊ ስርዓትየ ዝብል ብዘጓኒ ዓይነት ኣቀራርባ ንጐዓዝ ምህላውና፥ እቲ ካልእ ድማ እቲ ደጋዊ ሓይሊ ብኸመይ ዝበለ ሜላን ምስጢርን ይኸይድ ምህላው ኣይንግንዘብን ዘሎና።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኩሉ ዝካየድ ናይ ስርሕ ፍንጥሕ ጥርናፈታት ናብ ውሽጢ ዝስሕበና ዘይኮነስ ንደገ እንዝረወሉ ኮይኑ “ኣነ ጥራሕ እየ” ኣብ ዝብል ናይ ስልጣን ውድድር ደረጃ ኢና ንርከብ ዘለና። ስለዚ ነዚ ኹሉ ክንፈትሓሉ ዝግባእ ተደላዪ ዕማም ቦዂሩና ኣሎ። እቲ ስርዓት ሎሚ ዲዩ ጽባሕ ናይ ግዜ ገደብ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ክወድቕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ተሃዋስን ስለ ዝኾነ ክንነቕሓሉ ዝግባእ ጉዳይ ግና ኣሎ። ንሱ ድማ እዚ ኣብ ደገ ዘሎ ተቓዋሚ ብዘይወዓል ሕደር ሰልፍታት ኣብ ነሓድሕደን ከምኡ እውን በርጌሳውያን ማሕበራት ብዘይቅድመ ኩነት ተቐራሪበን  መሰጋገሪ ፍኖተ ገበይ (road map) ክሕንጽጻ ይግበአን። ካብኡ ሓሊፉ መወዳእትኡ የጸብቐልና እዩ ዝበሃል።

ድራር መንታይ

ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና ኣእሽኹ ተሓቢእሉ ዝነበረ በዓቲ ተገዲዱ ምስወጸ፡ ካብ ማይ ከም ዝወጸ ዓሳ  ከዕለብጠሉ ዝጸንሐ ግዜ እዩ። እቲ ፈቐድኡ ስግኣት ሰንዲሕዎ ዝስሕቖን ዝለፋለፎን ዝነበረ ከኣ፡ ውሽጣዊ ስግኣትን ሻቕሎትን ዝወለዶ እምበር ናይ ብሓቂ ከምዘይነበረ ናይ ብዙሓት በላሕቲ ግምት እዩ። ብዙሓት ካብ ነዊሕ ግዜ ዝፈልጥዎ ኣካላት ኩነታቱ ርእዮም “እምበርከ ንሱ ድዩ እዚ ሰብኣይ” ዝብልሉ ዝነበሩ ትዕዝብቲ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኢሳይያስ ነቲ “ንሕና ዘምጻእናዮ ለውጢ እዩ። ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ፡ ለውጢ ዲና ክንብሎ ጽገና  ክንድቲ ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽሮ ኣፍልቡ ዝወቐዓሉን ኣፉ ክሳብ ዝትርተር ዝሰሓቐሉን ብውሽጡ ከቐጽሎ ከምዘይከኣለ ዘመልክት ብዙሕ ሓላፍዘላፍን ናይ ዶባት ምዕጻውን ምኽፋትን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ድማ እቲ ለውጢ ብናይ ካልኦት ዞባዊ ሕሳብ ንኢሳይያስ ንከተግብሮ ዝተዋህቦ እምበር፡ ናቱ ከምዘይነበረን ከምዘይኮነን ዘምልክት እዩ። እዚ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ባዕሉ ሓሲቡ ዘምጸኦ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመደፈሮን። ምኽንያቱ እንተደፊርዎ ሳዕቤኑ እዚ ሕጂ ገማዕማዕ ኢሉ መጨበጢኡ ጠፊእዎ ዘጻብበሉ ዘሎ ኩነታት ዘኸትል ስለ ዝኾነ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብቲ ሓሲበሉን ኣጽኖዐዮን ኢሉ ዝወስዶ ምርጫታት እውን ዓበይቲ ጌጋታት ከም ዝፍጽም ብምስሓት ኣይኮነን። ኣዋጅ ጸወታ ተወዲኡ (Game is over) ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።

ዲክታቶር  ኢሳይያስ ኩነታቱ ኣብ ኤርትራ ጸገም ኣለዎ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ነገሩ ጸገም ስለ ዝኾነ። ብዘይቃለዓለም ምምሕዳሩ ኣብ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ግናይ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ እዩ ዝሓይሽ። ነቲ ግናዩ ዘህድእ ዋላ ቁንጣሮ ኣውንታ’ውን የብሉን። ሎሚ ከኣ እቲ ጸገሙ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ገዛ ዓጺኻ ብኻለኦት ምጥቃውን ምሕጫጭን የለን። እቲ ማዕጾ ተሰይሩ እዩ። ናይ ለውጢ ንፋስ ናብን ካብን ኤርትራ ክነፍስ ዝኽልክሎ ማዕጾ የለን። ናይዚ እዋንዚ ዕላል ህዝቢ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ብኤርትራውያን ካብ ውሽጢ ሃገርን ዲያስፖራን መመሊሱ ዝስስን ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ደጊም መላሲ የብሉን። ኤርትራዊ ኩነታት ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ እምበር ብናይቲ ዲክታቶር ጽቡቕ ድሌት ይቕለስ ከምዘየለ ብዙሕ ምልክታት ንርኢ ኣለና። ንኢሳይያስ ኣጻቢብሉ ዘሎ እምበኣር እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኤርትራ ከቢብዋ ዘሎ ህቦብላ’ውን ካብ ድሌትን ትጽቢትን ወጻዕቲ ወጻኢ ዝሕንበብ ዘሎ እዩ። ሓደ እዋን በቲ ኣብ ቱንዝያ፡ ግብጺ፡ ሊብያን ካለኦት ሃገራት ከባብናን ዝተወለዐ ናይ ለውጢ ሽግ ዝብዳዕ ዝነበረ እዚ ኤርትራዊ ዲክታቶር፡ እቲ ማዕበላት ኣብ በቦታኡ ተደሪቱ ዝተርፍ’ዩ ዝመስሎ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ህቦብላታት ዕቤቱ ሓልዩ ዝመጽእ ምዃኑ ሕጂ ባዕሉ እቲ ህቦብላ ይዛረብ ኣሎ። ንዲክታቶር ኢሳይያስ ከኣ “መጻኹኻ” ይብሎ ኣሎ። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ብድሌት ኢሳይያስ ዝዕቀንን ዝዕገስን ዘይኮነስ፡ ብናቱ መስርሕ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕዎ ዲክታቶራት እንዳመልዓሰ ዝጐዓዝ ምዃኑ ምልክታት ንርኢ ኣለና።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ለውጥ ድዩ ጽገና ዝብሉ ሕቶታት ዘልዓለን መዓርፎኡ ጌና ዘይተፈልጠን ምንዕዓብ ተዓዚብና። እዚንኢሳይያስ በዓል ጽብቑ ከምዘይኮነ፡ ምንቕናቕ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጥን ወጻእን መስካሪ እዩ። ኣብ ኣልጀርያ ዝተራእየ ህዝባዊ ሓይልን ውጽኢቱን ተዓዚብና። መልእኽቱ ኣብ ኣልጀርያ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብዚ ናይ ሃገርና ዝብኢ’ውን መልእኽቲ ኣለዎ። እነሆ ሕጂ ከኣ ኣብ ድርኩኺት ኢሳይያስ፡ መራሒ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ጸግዑ ሒዙ። እዞም ተረኽቦታት ድሕሪ ሕጂኸ  ናበይ ገጾም ክኸዱ እዮም ኣብ መጻኢ ብናይቶም ኣብ ሃሃገሮም ዘለዉ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ዝውሰን እዩ። ብውሕዱ ግና ናይ ህዝቢ ሓያልነት ዝበሪኹ ዝተራእየሎም  ተረኽቦታት እዮም። እሞኸደኣ ኣብ ታሪኹ ካብዚ ባህራሪ ዲክታተር  ዝዓቢ ናይ መግዛእቲ መንደቕ ዘፍረሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ወታቲፍካ ዝተሰርሐ ኢሳያሳዊ ዘይርጡብን ዘይሕጋውን መንደቕ ዘይኮነስ ግድግዳ ምፍራፍ ከጸግሞ’ዩ ማለት ድዩ? ኣይመስለንን። ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ ኣብ ፍርሒ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራዊ ሓልዮት ዝተመስረተ ምንባሩ ኣብ ዘረጋግጽ ግዜ በጺሕና ኣለና። ትዕግስቲ ከኣ ከም ኩሉ ኣምራት ደረት ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ እንተዘየሎ፡ ኣሰር ህዝብታት፡ ቱኒዝያ፡ ሊብያን ግብጽን ሕጂ ድማ ሱዳን ምሓዝ ከምዘየጸግሞ ከርኢ ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና።

እዚ ኣብ ሱዳን ዝኽፈት ዘሎ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኩለመዳያዊ ቃንኡ ኣብ መጻኢ እንከታተሎ ምዕባለ ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ንዲክታቶር ኢሳይያስን ደቀመዛምርቱን ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ናይቲ መልእኽቲ ማእከል ከኣ “ናይ ህዝቢ ሓያልነት” ንድሕሪት ከምዘይምለስ እዩ። መልእኽቱ ኣብዚ ዝድረት ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እውን እዩ። ኣብዚ ናይ ህዝቢ ሱዳን ቀጻሊ እንዳወድቕካ እንዳተንሳእካ ንለውጢ ምስራሕ እጃም ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዕዙዝ ምንባሩ ከኣ ነቲ ናብ ኤርትራውያን ዝመሓላለፍ መልእኽቲ መሊሱ የዕዝዞ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብዚ መልእኽቲ ዝዓበየ ክፋል ዝወስድ እዩ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ “ከምዚ እንተዘይጌርካ ኣይናትናን ኢኻ” ክሳብ ዝብሎም ክጽበ ኣይግበኦን። ናይ ብሓቂ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጸ ምዃኑ ከረጋግጸሉ ዝግበኦ ብዙሕ ዕድላት ኣሕሊፉ እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ተመሂሩ ነዚ ዕድልዚ ከባኽኖ ኣይግበኦን። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊ’ውን “ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ” ክብለሉ ዝግበኦ ሎሚ እዩ። ናብቶም “ይኣክል” ንብል ዘለና በሃግቲ ለውጢ’ውን መልእኽቲ ኣለዎ። ምኽንያቱ ይኣክል ምእኩል እንተዘይኮይኑ ግዳይ ከፋፋሊ ውዲት ጉጅለ ኢሳይያስ ናይ ምዃን ዕድሉ ክፉት ምዃኑ ተገንዚብና “ክንሰጥም” ናይ ግድን እዩ።

ከምቲ ንነዊሕ ጉዕዞ ፈለግ ኒል ናብ ባሕሪ መዲተራንያን፡ ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ መዓርፎኡ ከይበጽሕ፡ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወይ ኣብ ሱዳን ክትዓግቶ ዘይከኣል፡ እዚ ብኣርባዕተ ማእዝን ንኢሳይያስ ከቢብዎ ዘሎ ማዕበል ለውጢ እውን ናብ ኤርትራ ከይውሕዝ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። እዚ ካብ ኮነ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ጸግዑ ንክሕዝ”፡ ንሕና ከኣ እቲ ድሕሪ ኢሳይያስ ዝመጽእ ዘበን ናይ ህዝቢ ኤርትራ “ሰናይ ዘበን” ከም ዝኸውን ንምግባሩ ጨጭሕምና ማይ ንልከ።

ኢትዮጵያ ብሓገዝ ፈረንሳ ከተቖሞ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ; መደበሩ ኣብ ባጽዕ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ህቡባት መጽሔታት ፈረንሳ ዝኾነት፣ ዠን ኣፍሪክ፣ ቁጽሪ 3039፣ ካብ 7 ክሳብ 13 ሚያዝያ 2019፣ ኣብ ዘሎ ሰሙናዊ ሕታማ፣ ኣብ ገጽ 26 ሰፊሩ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ'ዩ።

እቲ ፕርዚደንት፣ "ፈረንሳ፣ ንኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቑመላ ምዃና ድሕሪ'ቲ ናይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዑደት ተገሊጹ'ዩ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የብላን። ኣብ ጅቡቲ ድያ ከተቑሞ? ንዝብል፣ ዝቀረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ "ኣይፋላን። ኣብ ባጽዕ፣ ኤርትራ'ያ ከተቖሞ። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ዝቖሞሉ ቦታ'ዩ። ንኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ክብራ'ዩ። ግና ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኣዝዩ ክቡር'ዩ። ካብ ምቛም ሓይሊ ኣየር ይኸብር።" ኢሉ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ከተቑሞ ምዃና፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዘካየደቶ ምስጢራዊ ውዕላት እኳ እንተገለጸት፣ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ ከምዝድኮን ብምስጢር'ያ ሒዛቶ ዘላ።

ፈረንሳ'ውን ብወገና ብዛዕባ'ዚ ንኢትዮጵያ ከተቑመላ ተሰማሚዓትሉ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣበይ ከምዝምስረት ኣይገለጸትን።

እቲ ብሓገዝ ፈረንሳ ዳግም ክምስረት ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ወደብ ባጽዕ ከምዝቐውም ብወግዒ ዝገለጸ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ናይ መጀመርያ ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ጅቡቲ ምስ መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ንምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ኣመልኪቱ፣ ካብ ወገን ኤርትር ይኹን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መልሲ የለን።

ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ተናኝ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መደባርት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ጅቡቲን ዑደት ከምዘካየደ ኣብ ዝሓለፈ ቅንይያት ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ'ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት፥ መበቆልን፡ እምነታትን ዝተመስረተ እዩ። እቲ ዝሓለፎ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት ከኣ  ኣሉታዊ ኣሰራትን ስምብራትን ሓዲጉሉ  እዩ። ሎሚ፡ ናጽነቱ ተጎናጺፉ ከብቅዕ ብሰንኪ ምልኪ ቀሲኑ ክነብር ኣይከኣለን።  ነቲ ጨቋንኡ ስርዓት ንምልጋስ እውን ብቑዕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክገብር ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እቲ ምልካዊ ስርዓት ነቲ ኣውራጃዊ፥ ብሄራዊ፥ መበቆላውን፥ እምነታትን ብዝተፈላለየን ስውርን መገዲ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ህርድግ ይብል።

ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ እዚ ኩሉ ናይ ብሄርን፥ ባህልን፥ ወይ እውን እምነታትን ፍልልያትን  ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር ሓቢሩን ተኸባቢሩን ንዓመታት ዝነበረ ህዝቢ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ብሰንኪ  ውልቀመላኺ ስርዓት ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትን ስምዒትን  ዝተጠርየ ናብ ወወገኑ ከድህብ ክገብሮ ይፍትን ከምዘሎ ግን ንስሕቶ ኣይመስለንን።

ምልካዊ ስርዓት፡  ኩሉ ግዜ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣምር ስለዝኽተል፡ ህዝቢ ኤርትራው’ን ካብዚ ጽልዋ እዚ ናጻ ክኸውን ኣይኽእልን። ብኡ መሰረት እነሆ እኳ ነቲ ሕብረተሰብ ዝፋቕሮን ተጣሚሩ ሃገራውን ፖለቲካዊን  ውህደት ንኸይንፈጥር ክንሰማማዕ ኣይከኣልናን። እዚ ንኹልና ብገለ ስምዒታት ተደሪኽና ናብ ዘይከወን ኣቕጣጫ ክንእምት ዝደፋፍኣና ምኽያት ኣሎ። ንሱ ድማ  እቲ ናይ ባህሊ፥ ብሄርነት፥ ዘርእነት (ethnicity) እምነት ዝነቐለ ፍልልያት ኣነ ተወጻዕኩ፥ ወይ ተሃሰኹ ካብ ዝብሉ ስሚዒታት ኣብቲ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ሓቢርካ ምሕሳብን ዝፈጥሮ  ጸገም እዩ። እዚ  ንነፍሲ ወከፍ ኣካል ሕብረተሰብ ንወገኑ፥ ንኣውራጃኡ፥ ንብሄሩ ንሃይማኖቱ ወይ እውን ባህሉ ልዕሊ ኩሉ ገይሩ ንኽጥምት ይግደድ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን፥  ኣግላልነትን፥ ኣድልዎን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ይፍጠር እሞ፥  ነቲ ሃገራዊ መንነትን ሃገራዊ ሓድነትን ይዘርጎ። እዚ ስምዒት እዚ ምስ ዝዕብልል ከኣ ነቲ ናይ ብሄራት ይንኣሳ ይዕበያ፥ እምነታትን፥ ባህልታትን ብዘየገድስ ተጣሚረን ንኸይጎዓዛ  ዝገትእ ይኸውን።

እዚ እምበኣር እቲ ንኹሉ ብማዕረ ዝርኢ  ብቑዕ ምሕደራ ኣብ ምምስራት ሓደገኛ ተራ ይህልዎ። ከይዱ ከይዱ ድማ ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነታዊ መለለይታት ፍሒቑ ዘርኣዊ፥ ብሄራዊ መንነት ናብ ምቅላሕ ገጹ ሃሰስ ክብል ይጅምር። ኣብ ከምዚ ግዜ ፖለቲካዊ ውህደት ይሰኣን እሞ ነቲ ስልጣን ብዘይኣገባብ ናይ ምጥቃም ኣንፈት ብምሓዝ ሓባራዊ ጠመተን ምቅርራብን ናይቲ ሕብረተሰብ የመዛብሎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ምፍልላያትን፥ ኣብ ወገነይን ወገንካን… ወዘተ ይሕምብስ። ብኡ ኣቢሉ ከኣ ሓባራውን ንሃገራዊ ረብሓ ዘማዕብልን ሓሳብ ንጎኒ ተሪፉ፥ ዘተኣማምን ቅሳነትን ስኒትን ይጠፍእ።  በዚ ዝኣክል ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ኣገባብን ኣተሓሕዛን ተረድኦን ክውንንን፡ ንሱ ብዝኣምነሉ ኣገባብ ክጎዓዝ ይፍትን። በዚ እቲ ሓባራዊ ሃገርን ዜግነትን ካብቲ “ነዓይይ ውን ይግባኣኒ እዩ”  ዝብል  ናይ ኩልና ሓባራዊ መንነት ስምዒት ይርሕቕ።

ኣብ ከምዚ እዋን እዚ፡ እቲ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝዳኒ ሕገ-መንግስቲ ንምምስራት ዘይተኣደነ ውድድራት ክለዓል ይከኣል። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ዘርኡ፥ ኣውራጃኡን፥ ብሄሩን፥ ወይ እምነቱን ባህሉን፥ በቲ ካልእ ብኣተሓሳስባ ዝፍለዮ ከይዕብለል፡ ኣብ ናይ ምርሕሓቕ ኣንፈት ገጹ ይሕንበብ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዝዓብለለን ዝተዓብለለን ስምዒታትን፥ ፈጢሩ ክሳብ ንሓድሕድ ምቅትታል ዘኸትል ክኸውን ይኽእል። ከም ኣብነት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እኹል መረዳእታ እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ራኢ ኣብ ምህናጽን ዜግነታዊ ኣምር ኣብ ምድልዳል ከቢድ ማሕለኻ ይፈጥር።

ሎሚ፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ተሪር ሓጺናዊ ምልኪ ተቖሪኑ ኣብ ዘለሉ እዋን፥ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትናን ሓድነትናን ኣደልዲልና ኣብ ክንዲ ያዕ ንብሎ፥ ወግሐ ጸብሐ ሓሓደስቲ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ይስስናን ይጭጭሓን ኣለዋ። እዚ  በበይንኻን በብዝመስለካን ምጉዓዝ ካብ ምንታይ ዝነቅል ኮን ይኸውን? ንምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባንከ ስዒርና ንሃገራዊ ሓድነትና ከንዕቅብን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክነጣጥሕን ንኽእልዶ።?  ንኣውራጃይ፥ ንብሄረይ፥ ንእምነተይ ምቕዳምከ ነቲ ዝተጠርየ ሃገራዊ መንነት ከደልድሎ ይኽእልዶ።? እቲ ከምዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምፍልላያት’ኮ እዩ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ህዝብን ዘናቚት ዘሎ።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ እዚ ሓዲሽ ወለዶ በብሸነኹ ጉዕዞ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኣመራርሓን፥ ኣብ ዜግነትን ጥሙር ሓሳብ ኣብ ምስራጽን ሓንኳሊ ግደ ክጻወት ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ። ካብዚ ሽግር እዚ ክንወጽእ እምበኣር፥ እቲ ንኹልና ዝጠምረና ሃገራዊ ሓድነትና ዘደልድል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ኣሎና። ንሱ ድማ እቲ ዝኸበደ ቃልሲ ንነፍስና ኣብ ምልዋጥ እንገብሮ ጻዕሪ እዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኩሉ ግዜ ሓቛፍን፥ ኣሳታፍን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ከሰስኑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሃነጽቲ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምጥራይ ፋሕተርተር ክንብል ከሎና እዩ።  ኣብ ክንዲ ነነሕድሕድና ምንፍፋግን ምጉናይን ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና ኣሚንና ነቲ ኣውራጃይዶ ብሄረይዶ ሃይማኖተይዶ ዝብል ልዕሊ ሃገራውነት ከየቐደምና  ኣውራጃይ፥ ወይ ብሄረይ ክህሉ፥ ቅድም ሃገር ትሃሉ ዝብል ኣተሓሳስባ ቅድሚት ክስራዕ ከም ዘለዎ ክንሓስብ የድልየና ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ንርከብ ከም ዘሎና  ምስትውዓል ኣድላዪ እዩ። ኣብ መድረኽ ናይ ስልጣን ምጭባጥ ቃልሲ ዲና፥ ወይ ነዚ ፍልልያት ኣመሓዲርና ሃገር ኣብ ምድሓን ኣጸቢቕና ክንመራመረሉ ይግባእ። እንተዘይኮነ ሃገራዊ ሓድነትና ክነዕቅብ ኣይክንበቅዕና ኢና።

ድራር መንታይ

እንታይነት ጉጅለ ህግዲፍ ኣጉሊሖም ካብ ዘርእዩ ብዙሓት ባህርያቱ “ዘይግሉጽነት” ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ካብቲ “ህዝቢ ከገልግለኒ እምበር፡ ከገልግሎ የብለይን” ዝብል ትዕቢተኛ እምነት ናይቲ ጉጅለ ዝነቅል እዩ። ናይ ህግዲፍ ዘይግሉጽነት ካብ ዝንጸባረቐሎም ረቀቕቲ ሜላታት ንህዝቢ ዘይትግበር ቃል እንዳ ኣተኻ ምድንዛዝ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ናይቲ ጉጅለ መደንዘዚ ዘይግሉጹነት ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቁጠባዊ ጠለብ ህዝብና ንምድፋን ዝግበር ኣካይዳ ዝያዳ ጐሊሑ ክንጸባረቕ ጸኒሑ። ቅድሚ ክንደይ ዓመታት ኣብ ጥራይ ጐልጐል ንህዝቢ ኣብ ዘይድህሰስ ተስፋ ንምእሳሩ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝበሃል ዝነበረ ጃህራ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ኤርትራ ካብ መቑሕ ህግዲፍ ናጻ እንተወጺኣ ግና ከም ሲጋፖር ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ነታ ከም ብሌን ዓይኑ ዝርእያ ህያብ ስዉኣቱ ዝኾነት ናጽነቱ ከይሃሲ ክብል፡ ኣካይዳ ህግዲፍ ካብ ዝኩርኮሖ’ኳ ነዊሕ ግዜ እንተገበረ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዘይግሉጽነት ዓለሞም ንክሕንብስ ዕድል ሂብዎ እዩ። ህዝብና ዕድል ዝሃቦ ግና ኣብ ጸልማትን ዘይግሉጽነትን ክነብር ስለ ዝመረጸ ዘይኮነስ “እስከ ግዜ ሂብና ሃነኦም ነወደኣዮም” ብዝብል ትዕግስትን ጹረትን እዩ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይተፈለጥኩን ብዝብል ንናይ ህዝብና ትዕግስቲ ከም ሕመቕን ንነገራት ክትርዳእ ዘይምብቃዕን ወሲዱ፡ ነቲ ዘይግሉጽነትን ጥልመትን ቀጺልዎ። እዚ ጠላምን ዘይግሉጽን ኣካይዳ’ቲ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ዝደረት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ መለአ ናብ ጐረባብቲ’ውን ክፈስስ ምስ ጀመረ ግና “እምበርከ እዚ ኩነታት ናይ ድሓን ድዩ?” ዝብል ዝያዳ  ስምዒትን ጥርጠራን ኣሕዲሩ። ብፍላይ ናብቲ ሕጂ ኢሳይያስ ኣይከሰርናሉን ዝብሎ ዘሎ መላምልና ዝሃለቕሉ፡ ናይ ዶብ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ዶብ ውግእ ዝተባህለ ምስ ማዕበለ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መመሊሶም “ስለምንታይ?” ዝብል ሕቶ ሓቲቶም። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ዕድሜኡ ዘሕጽር ከይከውን ዝሰግአ ህግዲፍ ከኣ ኣብ ናይ ህይወቱ ምድሓን ዳምዳም ኣትዩ። ማእሰርቲ ናይቶም ብዙሓት ፖለቲካኛታትን ጋዜጠኛታትን ከምኡ’ውን ምዕጻው ዝርካበን ናይ ብሕቲ ሚድያታትን ከኣ ናይዚ ምልክት ነይሩ።

እዚ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ ሓቀኛ ተግባራት ህግዲፍ ክነቕሑ’ኳ እንተሐገዘ፡ ጌና በቲ ህግዲፍ ናይቲ ስጉምቱ ምኽንያት ኢሉ ለጋጊቡ ዘቕርበሎም ዝነበረ ዕባራ ምኽንያታት ዝተዓሸዉ ኤርትራውያን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ንዝኾነ ከጥቀዖ ዝደሊ ንሓንሳብ “ናይ ወያነ” ንሓንሳብ ናይ ጀሃድ ዝብል መለለዪ ሕብርታት  ምቕባእ ካብቲ ምኽንያት ሓደ ነይሩ። እንተኾነ እቶም ነዚ ዝኣረገ ጸለምኡ ዝኣምኑ ዝነበሩ እውን ካብ ንደገ ዘይቃላሕ ጥርጠራ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብ መወዳእታ ግና ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ መራሒ ህግደፍ እቲ ንነዊሕ ግዜ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ ክሕደት ሃገርን ህዝብን ኣብ ዕሙር ኤርትራውን ኢትዮጵያውን መድረኻ ምድጋሙ ብዘሕፍር ወደኽደኽ ዳሕዲሕዎ። ዋላ’ኳ ብኤርትራውያን “ኤህህ” እንዳተባህለ ከባብያዊ መደባቶም ከተግብረሎም ብዝለኣኽዎ ሃብታማት ከኣ ኣዋርቕ ተሰሊምሉ። እዚ ዘረድኣና ከኣ ህግዲፍ እውን ነቲ እኩይ ተግባሩ ግዜን ኩነታትን ከመዓራሪ እምበር ሓቢእዎ ክነብር መደቡ ከምዘይነበረ  እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ንርከበሉ ዘለና ክሕደቱ ዘግህደሉ ኩነታት ንምፍጣር ግዜ ከጣጥሕ ጸኒሑ እዩ። ኤርትራ መንእሰያታ ራሕሪሐምዋ ገረውረው ከም ዝበለት፡ ዓገብ ዝብሉ ፖለቲከኛታታን ምሁራታን ዝተኣርዋን ዝረሓቕዋን፡ ህዝባ ከኣ ብሕሱም ድኽነትን ስእነትን ኣዝዩ ዝሰኮነላ ምዃና ምስ ኣረጋገጸ እዩ “ደጊም ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዕሕሕ ዝብል ድምጺ ዘስምዕ ዜጋ የብላን” ኢሉ ምስ ኣመነ እዩ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ  ዝበጽሐ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ግና እቲ ሓቂ ከምቲ ዝገመቶ ዘይኮነ፡ እነሆ “ይኣክል” ዝብል ሕራነ ዝማእከሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሓያል ተቓውሞ ወጢርዎ። ወየ ናይ ህዝቢ ስቕታ ትዕግስቲ እምበር፡ ፍርሒ ወይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ዘይምርዳእ ከምዘይኮነ ይንገሮ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዓለምለኻዊ ትካላት ብዛዕባ ግህሰት ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ዝወርዶ ዘሎ ኩነኔ’ውን ምስዚ ደሚርካ ዝምዘን እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ህግዲፍ ጀሚሩ ዘይፈጸሞ ኤርትራን ህዝባን ናይ ምጥፋእ ትልሙ ከተግብር፡ ንሕና ከኣ ኤርትራን ልኡላውነታን ምስ ምዑት ህዝባ ከነድሕንን ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ከነንግስን ወሳኒ ቃልሲ እነካይደሉ ዘለና ውዑይን ወሳንን መድረኽ እዩ። ህግዲፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ በብመድረኹ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ እኩይ ሕቡእ ጥበብ “ማይ ዘይጠዓመ” ዝብሎ መታለሊ መንገዲ ሒዙ ይቐርብ ኣሎ። ንህዝብና ግና ዝኣረገሉ ባዶ መብጸዓ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ማእከላይ ትሕዝቶ ናይቲ ምትላል ከኣ፡ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ብዛዕባቲ ዘልዕሎ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ተባራዒ ዛዕባታት ዘዛርቦ፡ ዘይጽላእ’ኳ እንተኾነ ኣብ ቀዳምነት ብዘይስራዕ ኣጀንዳታት ናህሩ ከተነክዮ ምፍታን እዩ። ህዝብና ጉዳይ ዶብ፡ ጉዳይ ሕገምንግስቲ፡ ጉዳይ እሱራት፡ ጉዳይ ልዕልና ሕግን ምኽባር ኩሉ መሰላትን  ንቕድሚት ኣብ ዝሰርዓሉ እዋን፡ መራሕቲ ህግደፍ ከኣ ኣብቲ ብፍርቂ ልቦም ብተዳህለ ሞራልን ተስፋን ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባታት ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዮም ኣብ ዞባውን ከባብያውን ዛዕባታት ክሕብኡ ይፍትኑ ኣለዉ። ቀንዲ ዓላማኦም ከኣ ንማዕበል “ይኣክል” ንምኹላፍ እዩ።

ሎሚ ምናልባት ተስፋ ቆሪጹ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝርኢ ዓይኑ ዝተደፍነ እንተዘይኮይኑ፡ ንመዳህለሊ ሜላ ህግደፍ ሓቂ ኢሉ ዝቕበል ኤርትራዊ ይህሉ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት ኩነታት ኣጊምዎ ደው ኢሉ ዝዕዝብ ይህሉ ይኸውን። እዚ ወገን’ዚ ድሕሪ ትዕዝብቱ ናብ ማዕበል ይኣክል ከም ዝሕወስ ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ብጽኑዕ ውዳበ ክስነ ዝግበኦ “ይኣክል” ንህግዲፍ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ ኢሎም ንህግደፍ ዕድል ክህብዎ ዝጸንሑ ሎሚ ግና ከይዕሸዉ ዘተንቅቕ ምዃኑ ነስተውዕል። “እዚ ዓሻስ፡ ከዕሽወኒ ጣፍ ይነቅዝ’ዩ ይብለኒ” ክንብል ይግበኣና።

ናይ ኣልጀርያ ቁዋም ቤት ምኽሪ ንናይ ኣልጀርያ ፕረሲደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ምሕዳግ ስልጣኑ ተቐቢልዎ። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኣልጀርያ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ። ንሱ ኣብ መግለጺ እቕረትኡ: ”ምውዳቕ ሰብኣዊ`´ዩ በዚ ድማ ንዂሉ ብቓል ይኹን ብግብሪ ኣንጻርኩም ንዝፈጸምክዎ ኩሉ በደል እቕረታ እሓትት” ዝብል`ዩ ዝርከቦ እቲ ኣብ ነዊሕ መልእኽቱ ዝሓተቶ እቕረታ ብመላእ ትሕዝተኡ ኣብቲ  ናይ ኣልጀርያ ዜናዊ ቤት ጽሕፈት ኣፐስ ተዘርጊሑ ዘሎ።

83 ዝዕድሚኡ ቡተፍሊቃ ካብ ስልጣኑ ዝሳናበት ዘሎ ድሕርቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ናዕቢ ህዝቢ ኣልጀርያ ኢዩ። ሕጂ ድማ ህዝቢ ኣብ ማእከል ኣልጀር ብምእካብ ንምግዳፍ ስልጣን ፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ብሓጎስ ተሊኡ ደስትኡ ይገልጽ ኣሎ። ንፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ዝትክእ መን ምዃኑ ዛጊት ዝተፈልጠ ኣይኮነን።

ህዝባዊ ሃገራዊ ተለቭን ሽወደን

ዕለት 4-ሚያዝያ 2019