ንህወሓት ናብ ንቡር ቦታኣ ተመሊሳ

2024-06-05 08:49:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 272 times

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ኢትዮጵያ ብ4 ሰነ 2024 ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ተወሲንዋ ዝነበረ ከም ሓዳስ ውድብ ናይ ምምዝጋብ ተግባር ተሪፉ፡ ናብቲ ንቡር ቦታኣ ክትምለስ ዘኽእላ ኣዋጅ ኣጽዲቑ። በቲ ሓደ ወገን ብሄራዊ ምርጫ “ከም ሓድሽ ውድብ ተመዝገቡ” ህወሓት ድማ “ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረምኩ ኣነ ስለ ዝኹንኩ ናብ ንቡር ቦታይ እምለስ እምበር ከም ሓድሽ ኣይምዝገብን” ብዝብል ክሰሓሓቡ ምስ ጸንሑ እዩ እቲ ናይ ትግራይ ተወከልቲ ዘየብሉ ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ብክልተ ተቓውሞን ሓደ ዕቃበን ኣጽዲቕዎ።

ጉዳይ ህወሓት ኣከራኻሪ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ውግእ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ኣንጻር ሕገመንግስቲ ሓይሊ ዝተጠቕመ ተባሂሉ ከም “ፈጣር ራዕዲ”  ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ስለ ዝነበረ እዩ። ካብቲ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲኳ ቀልጢፉ እንተወጸ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ምምላሱ ግና ምስ ሰልፊ ብልጽግና ተደጋጋሚ ዘተ ክካየደሉ ዝጸንሐ እዩ።

በዚ መሰረት እቲ ንህወሓት መንገዲ ዝኸፈተሉ ኣብቲ ሓድሽ ኣዋጅ “ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዓመጽ መሪጹ ጸኒሑ፡ ነቲ ናይ ዓመጽ ተግባር ኣቋሪጹ ሕገምንግስታዊ መንገዲ እንተመሪጹ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ተመሊሱ ይምዝገብ” ዝብል ዓንቀጽ እዩ። ህወሓት ዝተወርሶ ንብረት ክምለሰሉ ድዩ ኣይምለሰሉን ግና ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።

ካብዚ ንድሓር ህወሓት ኣብ መጻኢ ዘካይዶን ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን መበል 14 ጉባኤኡ ዝውስኖ ውሳነታትን ዝመርጾ መሪሕነትን ሕጋዊ ክኸውን እዩ።

Last modified on Wednesday, 05 June 2024 10:56