ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ 20 ዓመታት ሃንደበት ሓድሽ ምዕባለ ምስ ተራእየ ብዙሓት ኣዛረብቲ ሕቶታት ከም ዝተላዕሉ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። “መዓስ፡ ኣበይን ብናይመን መንጐኝነትን ተዛትዮም እዮም ደኣ ኣብዚ ስምምዕ በጺሖም? ስለምንታይ እዩ ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘዳኽር ዘሎ? ስለምንታይ እዩ እቲ ዲክታቶር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ኣብ ግምት ዘይኣተወ? ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕከ ንህዝቢ ዘይግለጽ? ስለምንታይከ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ከም ቀንዲ መፈላላይ ኮይኑ ዝጸንሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ዘይተላዕለ? ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ወዮ ጉዳይ ዶብ ከይተወገነ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ “ክሳደይ ንኻራ” ብዝብል ዘዕገርግር ዝነበረ ኢሳያስ፡ ሃንደበት ቃሉ ዓጺፉ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኑ? ዝብሉ ካብቶም ብዘሓት ሕቶ ዘልዕሉ ዝነበሩ እዮም።

ናይዚ ኩሉ ስለምንታያት ውዱእን ሓቀኛን መልሲ ክህቡ ዝነበሮም፡ እቶም ወዛሕዛሕ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲኳ እንተነበሩ፡ ንሳቶም ምስ ኣጽቀጡ ግና ብዙሓት ወገናት ነናቶም ግምታዊ መልሲ ክህቡ ዝተገደድሉ ነይሩ። ናይ ብዙሓት ግምታዊ መልሲ ከኣ፡ እዚ ሃንደበት ዝነጠበ ዝምድና፡ ካብቲ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘለዎ ናይ ሰላም ጽምእን ህርፋንን ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ዞባዊ ረብሓታትን ልዕልናን ንክሕልዉ ክግዕትዎ ዝጸንሑ ግዳማዊ ተጽዕኖ ዝወለዶ እዩ ዝብል ነይሩ። እቲ እንዳሓደረ ብግብሪ ዝተራእየ ምዕባለ ከኣ ነዚ ግምታዊ መልሲ ናብ ሓቀኛ መልሲ ዘማዕበሎ ነይሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባዕሉ ከይተረፈ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈልጦን ከእውየሉ ዝጸንሐን ክነሱ፡ ነዛ ብኢሳያይ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ ኣባል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ምምዛዛ ሓደ ንህዝቢ ዘንጊዕካ ንዲክታቶር ናይ ምቅብጣር ምልክት ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ቅድም እውን ሓያላት ንናቶም ክብሪ እምበር ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወጠነ ኣይኮነን ኢልና ክንነቕፎ ዝጸናሕና ማዕቀብ፡ ከምቲ ግጉይ ኣመጻጽኣኡ ብግጉይ ኣገባብ ተላዒሉ ተባሂሉ። ነዚ ስጉምታትዚ ንኢሳያስ ንሓንሳብ ናብ ሱዕድ ዓረብያ ንሓንሳብ ድማ ናብ ኢማራት እንዳወሰድካ መዳልያታት ምስላምን ጁባኡ ምምላእን ምስ ተወሰኾ፡ ኣማን ብኣማን ኢሳያስ ኣብዚ ከባቢ ንህዝብና እንዳረግጸ ልኡኽ ንክኸውን ተሓርዩ ከም ዘሎ ተነጺሩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተላዕለ ስለምንታያት ከኣ መብዛሕትኡ መልሲ ረኺቡ።

ኢሳያስ ብወገኑ ደሓርስ መመሊሹ ስለ ዝሻደነ፡ ባዕሉ እውን ንግዳማዊ ተልእኮ ተመዚዙ ከም ዘሎ ንምብራህ፡ ብዘይሕፍረት “ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ከባቢ 200 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኢና ንሓስብ” ክብል ጀሚሩ። ያኢ ነዚ ከተግብር ኣይሰለጦን እምበር፡ ካብ ሶማልያ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወሳዊሱ። እነሆ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣካል ናይቲ በዓል ሱዕድ ዓረብ ነብሰን ንምሕላው ዝደኰነኦ ማሕበር ሃገራት ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ባብኤልመንደብን ኮይኑ። እቶም ንኢሳያስ ዝልእክዎ ዘለዉ ናቶም ሕሳብ ኣለዎም ኢልና ኣለና። ናይ ኢሳያስ ሕሳብ ከኣ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ዋኒን ብዞባዊ ዛዕባታት ኣጐልቢብካ ምርስሳዕ እዩ።

እቲ ግምታዊ ዝነበረ መልሲ ሓቂ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ንምብራህ፡ ጌና በቶም ለኣኽቲ ተወሰኽቲ ምልክታት ይመጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ምስቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዋህበን ብዙሕ ዘዛረበን ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ንበዓል ኢሳያስ “የማነ ጸገም ከይበልኩም ከምታ ዝበልናኩም ግበሩ” ከም ዝበልዎም ብግቡእ ዘማላኸቱ እዩ። ብወገን በዓል ኢምሬትስ እውን “ኣብዚ ከባቢ ሓይልና ከነደልድልን ሰላምና ከነውሕስን ስለ ዝዕንቅፈና፡ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መልክዕ ከነትሕዞ ናይ ግድን ነይሩ።” ዝብል መግለጽታት ብዝተፈላለዩ ሜላታት ይወጽእ ኣሎ። ርሑቕ ከይከድና ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓንሳብ ዝዕጾ ንሓንሳብ ዝኽፈት ዘሎ እውን ናይቲ ንዛረበሉ ዘለና ስምምዕ መሰረቱ ናይ ክልቲኡ ሰላም ዝጸምኦ ህዝብታት ከምዘይነበረ ዘመልክት እዩ።

እዚ ጉዳይ ብፍላይ ንዓና ኤርትራውያን ጌና ጭራኡ ነዊሕ እዩ። ኢሳያስ ካብቶም ልኣኽቱ ተቐቢልዎ ዘሎ ተልእኮ ዝተደራረበ እዩ ዝመስል። ዞባዊ ረብሓ ሓያላት ካብ ምሕላው ሓሊፉ፡ ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ዘስግኡ ምልክታት ኣዳዕዲዕና ንዕዘብ ኣለና። ኢሳያስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዘስመዖም መደረታትን ነዓኡ ተኸቲሎም፡ ካብ መራሒኦም ጀሚርካ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲካኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝድርብይዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ክብሪ ዝትንክፍ ዘረባታት እውን ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ተልእኮ ተቐቢሉ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ድሕሪ ሕጂ ኢሳያስ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ክርህርህ፡ ንኤርትራ ከጥፈኣ ዝባኑ ቀሊዑ   ከም ዝተዓጥቀ ነጊሩና እዩ። እዚ ከኣ ንዓና ነቶም ሕድሪ ናይቶም ምእንቲ ልኡላዊት ኤርትራን ራህዋ ህዝባን ዝሓለፉ ሰማእታት ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለና ኤርትራውያን ከቢድ ጾር ዘሰክመና እዩ። ነታ ኢሳያስ ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ትሕጃ ኣትሒዙ፡ ብጐይተቱ ዝነኣደላን ዝነግደላን ዘሎ ኤርትራ፡ “ንሕና ኣለናላ” ዝብል ድምጽና፡ ናብቶም ድምጽን ድሌትን ህዝብና ደፊኖም፡ ንኢሳያስ ኣመላኺዖም ክረብሑ ዝደልዩ ወገናት፡ ከም ዝስማዕ ንግበር። ኢሳያይ ብዘይካብቲ ሳላ ዘመናዊ ስልጣነ ብሚድያታት ንሰምዖ ዘለና ጠላም መደረታቱ፡ ኣብ ሱዕድያ፡ ኤመረትን ኣዲስ ኣበባን ከይዱ እንታይ ይፈራረምን ይሰማማዕን ከም ዘሎ ስለ ዘይንፈልጥ ከሎ ጋና ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ መኻይድቱ ሕሳቦም ንክገብሩ ስምዕታና ነስመዓዮም። ከምቲ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ” ዝበሃል ሎሚ ኢሳያስ ብስኽራን ዝጸየቖ ጽባሕ በሰላኡ ከይሃስየና። ነዚ ኩሉ ክበቅዕን ከነድምዕን ከኣ ኣብቲ ሓደ ክንኮነሉ ዝግበኣና ዓበይቲ ኤርትራ ሃገራዊ ጉዳያት ክንሓብር፡ ከም ወትሩ ሓደራ እብል።

ሰብ ሕልናን ገበርቲ  ቅዱስ ተግባርን ዝኾኑ ተቐማጦ ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ሎሚውን ከምቲ ወርትግ ዝውፍይዎ ብርኩትን ተደጋጋሚ ሰናይ ኣስተዋጽኦም  ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ መደበር ከሰላ ሃገረ ሱዳን ከም ዝሰደዱ በዚ ኣጋጣሚ  ብፍሉዩነት ኣመስጊና ንኣመስገንቲ ክንገልጸሎም ንፈቱ።

ገበርቲ ሰናይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ብርኩት ወፈያ እንሆ ድማ ሎሚ 2.200.00 ( ክልተ ሽሕን ክልተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ተስዲዱ ኣብ ኢድ መደበር ከሰላ ከም ዝበጽሔ ነበስረኩም።

 እዞም ብርሑቕ ዝኣመኑ ምሉእ ዕግበትን ርሕራሔን ዘለዎም ደቂ ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ዘወፍዩ ዘለዉ ገበርቲ ሰናይ ንሕና ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ብስምናን፡ ብስምቶም ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ብጽሓይን ደሮናን ምስ ኩሉ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማምን ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጾትን ኣሕዋትን ኮይና፡ ነቲ ከይሰልክዩ  ብምድግጋም ዘወፍዝዎ ዘለዉ ሓገዝ ብፍሉይነት ክብ ዝበለ ምስጋናና ነቕርበሎም።

   ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

      ሃገረ ፈረንሳ

ሓንቲ ሃገር ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ምርጫ ምክያድ ኣገዳስን ዓቢ ናይ ልምዲ ጸጋን ኢዩ። ምኽንያቱ ሓደ እቲ ህዝቢ ዋላ እኳ ነቲ ብሕጓ ዝካየድ ቁርቁሳትን ፖለቲካዊ ጸወታታትን  ክብድሆን ክበጽሖን እንተዘይከኣለ፥ ዝደለዮ  ንኽመርጽ ድምጹ ናይ ምሃብ  መሰል ይሕሎ ኣሎ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ነቲ ኩነታት ክርደኦን ተመኩሮ ክቐስመሉን ስለዘኽእሎ ምርጫ ምክያድ እወንታዊ እዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ድማ በቲ ግቡእ መስኖኡ ሓልዩ ክፍጸም የብቀዓዮ።

ኣብዚ ምናልባት ደቂ ሰባት ብዛዕባ ጉዳይ ኣብ ኢዮጵያ ዝካየድ መረጻ፥ ኤርትራውያን እንታይ ኣእተወኩም ዝብል፡ ካብ ኤርትራዊ ወገን ኣይሰኣንን ይኸውን። ይኹን እምበር ከም ጎረበት መጠን ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ክጸልወና ምዃኑ ርዱእ እዩ ዝብል እዩ እቲ ቀዳማይ ቀንዲ ነጥቢ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ እቲ ዘኸይድ መስርሕ ምርጫ ንኣና ንኤርትራውያን ከም ተመኩሮ ክንመሃረሉ ስለ እንኽእል፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ሓደጋታት ክንድሕነሉ እንኽእል ናይ ኣእምሮ ብስለትን ተመኩሮን ኣጥሪና ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ምስ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክከየድ ዝሕሰብ ዘሎ መርጻ፡ ማለት ኢህወደግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣትሒዙ፥ እዚ ናይ ሕጂ ሻድሻይ ግዜኡ እዩ። እዚ ምስታ ጎረበት ሃገር ዝኾነት ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ፥ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘይተመርጸ ኢደ ወነናዊ ብግዚያዊ መንግስቲ ኢዩ  ዝመርሕ ዘሎ። ህዝባዊ መረጻን፥ ህዝባዊ መንግስትን ድማ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ፈጺሙ  ኣይተኻየደን። እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዝበሃል ውን ሎምስ ኣባላቱ  ዝነበሩ ዳርጋ ዝሃደመ ሃዲሙ ዝተኣስረ ተኣሲሩ ዝሞተ መይቱ እዩ። ስለዚ ግዚያዊ መንግስቲ’ውን ዝበሃል  የለን።

ብዝኾነ እቲ ናይ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መረጻታት ኣዝዩ ፍሉይን ኣብ ተሃዋስን ዝኾነ ኩነታት ኢዩ ክካየድ። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ሓደ እቲ ናይ ኣንበሳ ብጽሒት ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ህወሓት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ይስሓሓብ ኣብ ዘለወሉ ግዜ እዩ። እቲ ካልኣይ እቲ ምርጫ ብሓደ ሰልፊ ዝተዓብለለ ዘይኮነስ ሰልፍታት ንክወዳደራ ተፈቒደውን ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ናይ ብሄር ፈደራሊዝምን ናይ ኢትዮጵያዊ ዜግነታውን፥  ኣወዳድባ ዘለዎም ሓይልታት ምዃኖም እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ዝኸይድ ውክልና ብፖሊሲ ወይ ድማ ብመንነት ዝብል ምህላዉ። ራብዓይ እቲ ምርጫ ህዝቢ ኢትዮጵያ ገና ኣብ ዘይተረጋገአን፥ ጽጥትኡ ሕልው ዘይኮነን፥ ኣብ ንሓድሕዱ ዝቃተተለሉን፥ እቲ ብሄራዊ ፈደራሊዝም ዘስዓቦ ስምዒት ወዲ ብሄረይ ዘይኮንካ ውጸለይ ኣብ ዝብል ሃዋህው ብምህላው ነቲ ምርጫ ምናልባት ኣብ ከቢድ ቅልውላው፡ ከእትዎ ይኽእል ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ስግኣት እዩ። ነዚ ከቢድ ቅልውላው ሰጊሩ ዝወጽእ መሪሕነት ድማ ንሓዋሩ እታ ሃገር ናብ ንቡር ህላዌኣ ንኽትምለስ ከመይ ዝበለ ብድሆታት ከጋጥሞ እዩ ንግዜ ንግደፎ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን  ኣብ ከምዚ ኩነታት፥ እቲ ምርጫ ብሰላማዊ፡ ፍትሓዊ፡ ሸፈጥ ዘይብሉን ብምዕሩይን ኣገባብ ክካየድ ይኽእልዶ ዝብል ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት ዘልዕል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ብመልክዕ  ናይ ብሄራት መን ዓብለለ ቁርቁሳት ዘይተርፍ እዩ። ብፍላይ ኣብ ነንሓድሕዶም ብሄራት ዘሎ ሽግራትን ግርጭታትን። እዚ ስለዝኾነ እቲ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ከይክውን ነገሩ ዘስግእ ይመስል። ሓደ እቲ ናይ ሰልፍታት ኣወዳድባ ነቲ ናይ ሓድነት ኢትዮጵያ ክሕሉ ዝኽእል ዲዩ ኣይኮነን መልሲ ዘድልዮ ይመስል። እቲ ውክልና ዝብል’ውን ንገዛእ ርእሱ ዓብይ ዋጢጥ ዝስዕብ እዩ። ምኽንያቱ ብፖሊሲ ዲዩ ወይ ብመንነት ክኸውን እቲ ውክልና ዝብል ኣዛራቢ ነጥቢ ኢዩ። ሎሚ ኣብ  ዓለምና ናይ መንነታዊ ውክልና ዝበሃል ኣብ ዲሞክራሲ ብዙሕ ኣይሰርሕን እዩ። እንታይ ደኣ እቲ ፖሊሲ ንመላእ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ፥ ሃይማኖቱ፥ ዓሌቱ፥ ኣውራጃኡ፥ መበቆሉ ብዘየገድስ ንኹሉ ብማዕረ ዝዳንን፥ ሕግን ፍትሕን ዘንግስ ራኢ ዘለዎን ውክልና እዩ እቲ ሰላም፡ ፍትሕን ምርግጋእን ዘውሕስ። ካብኡ ብዝተረፈ እቲ ናይ ብሄርነትን፥ ሃይማኖትን፥ ዓሌትን፥ መበቆልን ቅድሚ ሃገራዊ ምስራዕ ኣሉታዊ ውጽኢት ኢዩ ክህልዎ። ምስናይ እዚ ድማ ትማሊ እቲ መንግስቲ ብህወሓት ዝተዓብለለ ኢዩ ነይሩ እናተባህለን፥ ሎሚ ውን ኣብ ከምኡ ዝዓይነቱ ኣቕጣጫ ምጉዓዝን ቅሳነትን ድሕነት ህዝብን ዘውሕስ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ድማ ናብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ ተመሊስካ ሎሚ ስልጣን ንምጭባጥ ተራና  እዩ ብዝብል ስምዒት ዝኸይድ ቁርቁስ ፈጺሙ ብዲሞክራሲ ክመሓደር  ዘበቅዕ ኣይክኸውንን እዩ።

ስለዚ መስርሕ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ መንነታዊ ውክልና እንተተጓዒዙ በየናይ መለክዒ ኢዩ መንነት ዝቕየስ እውን ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ዋኒን ኢዩ። ብብሄሩ ዲዩ ብሃይማኖቱ ዲዩ ብዓሌቱ ብመበቆሉ በየናይ መለክዒ ኢዩ ክምረጽ ዝብል ኣብ መዘዝ ዘእቱ ኢዩ ክኸውን። ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ምስ ናትና ኩነታት እንተመዛዚናዮ፥ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ብልክዕ ግልባጡ ኣብ ኤርትራውያን ተቓወምቲ’ውን ምልክቱ ኣሎ። ከም ኣብነት ብዛዕባ ብሄራዊ ውደባ፥ ሃይማኖታዊ ውደባ፡ ዜግነታዊ ወይ ዕልማናዊ ውደባ ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ከም ኤርትራውያን ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ንሓድነቱን ልኡላውነቱን ዘደልድልን ፖሊሲ እምበር፥ ንብሄረይ፥ ውገነይ፥ ኣውራጃይ ዓሌተይ ሃይማኖተይ ዝብል ኣንፈት ንመትከላት ዲሞክራስን ፍትሕን ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ኣይንስሓት። ጸቢብነት ነቲ ህዝቢ እውን ኣብ ደረጃ ዘይምትእምማን ተነቚቱ፥ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታትን፥ ድሑር ዝንባሌታትን ከምዝጥሕል ኢዩ ዝገብሮ እሞ ካብ ብሕጂ ንሕሰበሉ።

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፥ ተቓወምትን ደገፍትን ኣብ ክንዲ ንጉዳይና መዕለቢ ዝኸውን ንሓስብ፥ ደድሕሪ ተረኽቦ ብምኻድ ሓንሳብ ክንሕጎስ ወይ ድማ ክንጉህን ክንቁዝምን ንርከብ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ዝተባህለ ብጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ነቲ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ  እኳ እንተዘይተባህለ፥ ኣብ ገለ ገለ ኢትዮጵያውያን ዘሎ ሓሳብ ኢዩ ገሊጹ። ልክዕ ኢዩ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በቲ እዚ ጋዜጠኛ ዝገለጾ ይሰማማዕ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክንደይ ለባማትን መስትውዓልትን ኣብ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን።

ታምራት ነገራ ነታ ዝበላ እቲ ብድሕሪ ሕጂ ተወጢኑ ዘሎን ክውጠን ዘለዎን ሓቂ እኳ ኢዩ ተዛሪቡ መኣስ ሓሲዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኦሮሞ ወይ እውን ኣብ ኣምሓራ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ነዛ ታምራት ነገራ ዝበላ ቅድሚ ሎሚ ዘይተባህለ መኣስ ኮይኑ። ንኣብነት ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዝበሎ”ንኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ክንጽዕር እምበር፥ ብሓይሊ ክመልሳ ኢየ ዝብል እንተልዩ እነሀ ብረትኩም ዓጢቕኩም ተዋግኡ” ኢዩ ዝበለ። እዚ ድማ ቀጥታ ትርጉሙ ብሽፋኑ ተኸዲኑ ዘይተገልጸ እንተዘይኮይኑ እቲ ታምራት ደርጒሑ ዝፈመዎ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ክልል መንግስቲ እውን እንተኾነ፥ ኣብ ክንዲ ምስቲ ጸረ ሰላም ዝኾነ ዲክታቶር ኢሰያስ ምትህልላኽ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተርሕዩን ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ዝነብረሉ ሃዋህው ንኽፍጠር እቲ ዶብ በቲ ስምምዕ ምሕንጻጽ ዓወት ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት ምኾነ ነይሩ። ልክዕ ኢዩ፥ እቲ ኣብ ኣስመራ ነጊሱ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ቀንዲ ተሓታትን ናይ ሃገር ክሕደትን ይፍጽም ምህላው ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እታ “ብጌም ኦቨር” ዝገለጻ መርኣያ ናይ ዶብ ብይን ንኸይትትግበር  ዘሎ ድሌቱ እትገልጽ ምዃና ብሩህ እዩ። ነዛ ነጥቢ እዚኣ እምበኣር መንግስቲ ክልል ትግራይ በቲ እቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝደልዮ ንኸይጸድቀሉ እታ ዶብ ምሕንጻጽ ኣገድስነት ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነትስ ንሓዋሩ እውን ምስ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ዓቢ ምትእምማን እትፈጥር እያ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ፥ እቲ ብኣልጀሪስ ዝተበየነ ቀያድን ይግባይ ዘይበሃሎ ብይን ንኸይትግበር፥ ኤርትራ ከይተጥቀዓና ብምባል ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብቲ ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎሜትር መሬት ኤርትራ  ብዘይምውጽኦም፥ መንእሰያት ካብታ ሃገር ንምውጻእን ኣብ ፈቕዶ ጎረባብቲ ሃገራት ከርተት ንኽብሉን ንድሌት ኢሰያስ ንምምላእ ዓቢ እጃም ኣለዎ።

እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ድማ፥ ዋላ እኳ እቲ ኣብ መንጎ ኢሰያስን ዶክተር ኣብዪን ዝተኻየደ ናይ ሰላም ስምምዕ፥ እቲ ወያኔ ካብቲ ኢህወደግ ዝነበሮ ስልጣን ምስ ነከየ ዝተረኽበ ናይ ሰላም ተስፋ  ንኸይትግበር ብሰልስቲኦም ሸነኻት ነናቶም ናይ ፖለቲካዊ ዕዳጋኦም ይጥቀምሉ ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ዕዮ ገዛና ምስራሕ ስለዝሰኣንና፥ ደድሕሪ ካልኦት እሞ ድማ ንጽቡቕና ዘይምነዩ ዝዛረብዎ ነቋምት ኣብ ክንዲ እቲ ናብ ከምኡ ዘእትወና ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ንብድህ። ኩልና ኤርትራውያን እምበኣር፥ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ንሓልን ክነድሕኖ እውን ሓቀኛ ዝኾነ ድሌት ኣሎናዶ የብልናን ተመራሚርና ንጸላእትና መልሓሶም ዝዓጽፍሉ ኣገባብ ክነናዲ ክሳብ ሕጂ ኣይከኣልናን ዘሎና። ከምቲ “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ” ዝተባህለ ምስላ፥ ታምራት ነገራ የለብመና እዩ ዘሎ። እቲ ዘለብመና ዘሎ ጉዳይ ድማ፥ ኤርትራውያን ደኺሞም ኢዮም ድሕሪ ደጊም ብረት ኣልዒልና ተዓጢቕና እንቃለሶ ኤርትራዊ ሓይሊ የለን እዩ ዝብለና ዘሎ። ንሕና ነዚ ታምራት ዝብሎ ዘሎ ካብ ምንታይ ነቒሉ ኮን ይኸውን ኢልና ክንመራመርን ንዓኡ ዝምክት ተግባር ክንፍጽምን ኢዩ ዝግባእ። ናይቲ ታምራት ዝበሎ እሞ ንግደፎ፥  እቲ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ኣብ ኤርትራውያን ፍልልያት፥  ሓድነቱ ዘይደልደለ ህዝቢ ድኹም ምዃኑ መኣስ ሓሶት ኮይኑ። እቲ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ደገ ኰንና ሓንሳብ ብዝሓለፈ ጉድለታት ክንቁዝም፥ ሓንሳብ ብኣውራጃይዶ ብሄረይ ኢልና ተበታቲንናስ ቁምነገር ክንገብር ንኽእልዶ? ታምራት ነዚ እዩ ዝሕብረና ዘሎ እሞ ደጊም ንዓኡ ግብራዊ መልሲ እምበር ጽሑፋዊ መልሲ ኣይኮነን ዘድልዮ። እቲ ግብራዊ መልሲ ድማ ንሕና ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓሳብ ተዓጢቕና ሓድነትና ምስ እንደልድል እዩ።

እቲ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንኽስደድ ቀንዲ እቲ እኩይ ምሕደራ ስርዓት ኢሰያስ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ነቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ዝተበየነ ብይን ንምትግባር ዝቃወም ሓይሊ ናብታ ታምራት ነገራ ዝብላ፥ ኤርትራ መንእሰያት የብላን ናብ ምባል ዘብጽሐ ነጥቢ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ሎሚ ስርዓት መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ኤርትራውያን ተዛሚድናን ተዋስብናን ቋንቋና ሓደ ተመሳሳሊ ባህልን ዘሎና እንተበለ “ዓሳስ ነታ ትብላዕ እምበር እታ መጻወድያ ኣይርእን” ዝብል ምስላ ከይንኸውን ሓደራ።  ሓያሎ ኢትዮጵያውያን እኮ ነቲ ትግርኛ ተዛራቢ ኣብ ክልተ ንኽምቀል ዝገበርዎ ምኒሊክ ንኤርትራ ስለዝሸጥዋ እዮም እኳ ዝብሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ  ነቲ ናይ ታምራት ነገራ ዝበሎ ዘራጉድ እዩ። ብሓጺሩ ካብቶም ኤርትራ ናጻ ወጺኣ ኢሎም ኣስናኖም ዝሕርቅሙን ዘይተዋሕጠሎምን ዝብልዎ ገዲፍና፥ ንሕና እቶም ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከተና ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን እንታይ ክንገብር ኣሎና ደኣ ክንሓስብን ነቶም ትማሊ ረግጽትናን ጨቘንትናን ዝነበሩ ዝበልዎ ግብራዊ ብድሆ ክነካይድ ይግባእ።

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ጉባኤኡ ንምስልሳል ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ጉባኤ፡ ዞባ ሽማግለ ሰዲህኤ ዞባዊ ጉባኤ ቅድሚ መፋርቕ 2020 ንኽጋባእ ወሲና። ብኡ መሰረት 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቆይማ። ቀዳም ዕለት 11 ጥሪ 2020 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣወል ኣኼበኣ ብምክያድ ነፍሳ ናብ ሰለስተ ንኡሳን ሽማግለታት ብምስራዕ ዕቱብ ስራሓታ ተታሒዛቶ ኣላ።

ክንዕወት ኢና   

ክፍሊ ዜና ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

ህግደፍ ክንብል እንከለና፡ ዲክታተር ኢሳያስ ንመሕብኢ ክኾኖ ዝደኮኖ፡ ሎሚ ግና በቲ ዋናኡ ዝተጠልመ፡ መሰረቱ ኮነ መሪሕነቱ ደሃዮም ዘጥፍኡ ስም ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ ትካል እዩ። ኣቲ ጥልመት ኣብ ህግደፍ ከም ትካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሎም ካብ ቅድም እውን ሕጋዊ መሰረት ኣብ ልዕሊ ዘይነበሮም ትካላት ዝተፈጸመ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ኢሳያስ ሎሚ እውን ኣብኡ ካብ ምሕባእ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብሉ ከም ካለኣይ ስም ዲክታተር ኢሳያስ ኢና ንህግደፍ ንጠቕሶ ዘለና። ኩልና ከም እንርደኦ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ትካላት እንዳተጠልመን እንዳተሸምቀቐን ዝርካባ እታ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ እያ ተጠቕሊላ። እቶም ሓሓሊፎም ውጥምቅልቅል ክብሉን መልእኽቲ ከመላልሱን እንዕዘቦም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ “ሰበ መዚ” ብሳንቡእ’ቲ ዲክታተር ዘተንፍሱን ንሱ መመቲሩ ዝሃቦም ጥራይ እንዳኾለሱ ዕድመ ዘናውሑን እዮም።

ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ቃሕ ከም ዝበሎ ስምምዓት ዝፍርም፡ ስምምዓት ዘፍርስ፡ እንተደለየ ምስ ባህ ዘይበሎ ጽልኢ ስዕድም፡ ዋጋ ይረኽበሉ እየ እንተ ኢሉ እውን ብልኡላውነት ሃገር ዝጣላዕ፡ ሃብትን ንብረትን ህዝቢ ከም ድላዩ ዝሕሽሽ፡ ኣዋጅ ዘውጽእ፡ ኣዋጅ ዘፍርስ፡ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእቱ ዓንዳሪ እዩ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ቀደሙ ሓጋጊኡ፡ ፈጻሚኡን ፈራዲኡን ኣብ ዘይፍለጥ፡ ብግብሪ ኮነ ብሕጊ ህዝባዊ ኣፍልጦ ኣብ ዘየብሉ ሜዳ ክሕንብስ ዝመረጸ ነዚ ዕንደርኡ ንምውሓስ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣፎም መሊኦም ዝዛረብሉ ሞራልን ሕልናን’ኳ እንተዘየብሎም፡ ንህግደፍ/ኢሳያስ ዝድግፉ ንጣር ምህላዎም ዘይከሓድ እዩ። እቲ ኣደጋግፋኦም ግና ዘደግፍ ዝድህሰስ ሓቂ ሃልይዎም ዘይኮነ፡ “ሓንሳብ ካብ ኣተናዮ” ዝዓይነቱ ናይ ህልኽ ምርጫ ምዃኑ ምርዳኡ ኣየጸግምን። ኢሳያስ ከኣ ነቲ እንዳተራእየ ክነሱ ክሽፍኖ ዝፍትን ኢደወነናዊ ዕርቃኑ ንምኽዋል ኣብ ህግደፍ እዩ ክሕባእ ዝፍትን። ስለዚ “ንህግደፍ ኣይትደግፉ” ክንብል እንከለና፡ ቀንዲ ሕመረት መልእኽትና ንኢሳያስ ኣይትደግፉ ማለትና ምዃኑ ክበርህ ይግበኦ። ንኢሳያስ ኣይንደግፎ ክንብል እንከለና  መበገሲ ምኽንያትና እቲ ርኡይ ገበኑ እምበር፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝነቅል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ኤርትራዊ ስለምንታይ ህግደፍ/ኢሳያስ ክድግፍ ከም ዘየብሉ ንምርዳእ፡ ብዛዕባ ቅዋም፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ መሰላት፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ፡ ስደተን ድኽነትን ምዝርዛር ከምቲ “ንቐባራይዶ መላቓሳይ የርደኦ” እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ጸገምን ግፍዕን፡ እንተኾነ ኣብ ገገዛና ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣብ ጐረቤትና ዘሎ ስለ ዝኾነ።

ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ቀደም ብሓፈሻ ንኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንከተማ ኣስመራ ዝፈልጠ ዝነበረ እሞ ናብ ሃገርና ገሹ ምስ ረኣየን ነቲ ኽፋእ ምዝርዛሩ ጸጊምዎ “ኤርትራ ክልተሻብ ተራእያ” ዝበሎ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ህግደፍ/ኢሳያስ ኣብ ኣዝዩ ምግላጹ ዘጸግም ጸልማት ምህላዎም መስካሪ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነዚ ንሃገርና ኣብዚ ደረጃዚ ኣውዲቕዋ ዘሎ ኣካል፡ እንተኾነ ጉልባብካ ቀሊዕካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ትቃወሞን ትቃለሶን፡ ካብኡ ሓሊፉ ክትድግፎ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን በደል ኣብ ርእሲ በደል ካብ ምፍጻም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምእንቲ ንብረትን ካልእ ጠቕምን ኢሎም ምስ በላዒ ሰብ ክመሳሰሉ ዝፍትኑ ወገናት እውን ከምቲ “ስም ሓላፊ ብልዒ ተራፊ” ዝበሃል፡ ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ሓደጋ ከም ዘለዎ ከስተብህሉ ይግበኦም።

ህግደፍ/ኢሳያስ፡ ደጋፊ ንምርካብ ነቶም ካብ ቀደም እንቃወሞ፡ ኣይሰለጦን እምበር፡ ኣሰይጥኑ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ የካይድ እዩ። ብረቂቕ መንገዲ፡ “ኤርትራዊ ሓልዮት ዘየብሎም፡ 5ይ መስርዕ፡ መሳርሒ ወያነ” ብዝብል ግጉይ ስእሊ ከቕርበና ፈቲኑ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ሓልዮት ሃገር ዘየብሉን ናይ ግዳም ሓይልታት ምስ ዝኣምንዎም ኣብዑር ጸሚዶም ዝሓርስዎ ዘለዉን ንሱ ምዃኑ በሪሁ እዩ። ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብሀል፡ ሎሚ ብዙሓት ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንህግደፍ/ኢሳያስ ኣሚኖም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት በጃ ዝሓልፍሉ ዝነበሩ ከይተረፉ፡ ገለን ዝባኖም ቀሊዖም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሰልፎም ይምክትዎ ኣለዉ። ኣጽቂጦም ኩነታት ዝጸናጸኑን ጽባሕ ናብ ደንበ ለውጢ ምስላፎም ዘይተርፎም እውን ኣለዉ።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ኢሳያስ ነቲ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ፡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተጠዊቑ መመሊሱ ዝድርጉሖ ዘሎ፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዝህድድ ወስታታት ዝሰምዑ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ስምዒት እዮም ተቐቢለምዎ። እቶም ናይ ኢሳያስ ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ፈራዕራዕን ሓላይ ክብሪ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ምቕራብን ሓቂ ዝመስሎም ዝነበሩ በቲ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክቕጽል ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ተጻራሪ ጫፍ ምዝላሉ ኣዝዩ ደንጽይዎም። ነቲ ዝበሎ ክሳብ ካለኦት እንዳዓደመ ዝደጋግሞ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ’ውን ነይሮም። ነቶም ካብ ቅድም ዝባና ቀሊዕና “ዓገብ” ዝበልናዮን ንክህሉ ክብል ዝኾነ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከምዘይብል ንጽበዮ ዝነበርናን፡ ነቶም ኣጸቢቑ ዘየግሃደ  ዕቃበ ዝነበሮምን ወገናት ግና ዘይጠርጠርናዮ ስለ ዘይመጸና፡ እቲ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዚኑና እምበር፡ ሓድሽ ኣይኮነናን።

ሕጂ እቶም ምርጫ ህግደፍ/ኢሳያስ መንገዲ ደሓን መሲልዎም ክድግፍዎ ዝጸንሑ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተጣዒሶም ክመልስዎ ኣይክእሉን እዮም። ድሕሪ ሕጂ መንገዲ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ምሓዝ ግና ዝከኣልን ናይ ሓላፍነት ዝስመዖ ምርጫን እዩ። እዚ ኩሉ እንዳሰማዕካን እንዳረኣኻን ሎሚ’ውን ኣሰር ኢሳያስ ምሓዝ ግና ብምርጫኻ ገበነኛ ካብ ምዃን ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ኢሳያስ እውን ግብሩ ስለ ዝፈልጥ ደጊም ህልውናኡ ብናይ ግዳም መወልቱ ዝውሰን እምበር፡ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ደገፍ ዝጽበ ኣይመስለናን። ነዚ እዩ ከኣ “ደገፍ ንህግደፍ ይትረፍ” ክበሃል ዝግበኦ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን30 ዓመታት ዝተኻየደ፡ ህልኽን ኒሕን ዘይተፈልዮ እሞ ብዓወት ኤርትራ ዝተዛዘመ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ንክልቲኡ ወገናት ብዘሕጉስ ናይ ተዓዋታይን ተዓዋታይን ቅኒት ዘይኮነስ ብስነ-መጎት “ሰዓርን ተሰዓርን” ዝተኻየደ መስርሕ ምንባሩ ንጹር እዩ። ዋላ’ኳ ኤርትራዊ ሃገርነት ሕጋውነት ንምልባስ ብረፈረንደም ክድምደም እንተተገብረ፡ እዚ መስርሕ ንናይቶም ተሰዓርቲ ወገናት ቂምን ተሰዓርነትን ከህደኦ ኣይከኣለን። ከም መርኣያ ናይዚ ዘይምህዳእ ከኣ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን ብውዱብ ኮነ ብዘይውዱብ ኣገባብ፡ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም፡ ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ውዲታት ክኣልሙን ጽውጽዋያት ክጽሕፉን ከም ዝጸንሑን ኩላትና ንዝንገዖ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ግና ናጽነትን ልኡናውነትን ኤርትራ፡ ኣብ ዓውዲ ጅግንነት ኮነ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ  ኣደልዲሉ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ፡  እዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፈሎ ኤርትራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ክምለስዩ ዝብል ስኽፍታን ስግኣትን ኣይነበሮን። ናይዚ እምነቱ ቀንዲ መሰረትን መተኣማመንን ከኣ ኣብ መላእ ኤርትራውያን ብጉዳይ ኤርትራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ስጡም፡ ንድሕሪት ዘይምለስን ንፋስ ዘየእቱን ናይ ሓባር ዕግበት ኣሎ  ዝብል እምነት እዩ። ምናልባት ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ነቲ ዘይተጋህደ ኣብ ውሽጡ ተደጒሉ ዝነበረ ልኡላዊት ኤርትራ ዘይቅበል ውዲት፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1991፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት መሪሕነት ውድብ ህግሓኤ፡ “ምስ ኢህወደግ ሓደ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንምስርት ኢና” ዝብል ናይ ጥልመት ምልክት ከም ዝሃበ፡ ብዓንተቦ ተሓቢርዎ ዝንተዝነብር፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጣላዒ ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ጠቕሊልካ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ምውጋይ ንክበጽሕ ዕድል ኣይመሃቦን።

ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም’ቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ልኡላውነት ኤርትራ ንምውሓጥ ዘንባህቑ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ዝርካቦም ብጻዋዒት ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም። እዚ ዕድልዚ ካብ ረኸቡ ነቲ ግዜ ክጽበይሉ ዝጸንሑ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምዕጻፍ ህርፋኖም ከንጸባርቕዎ ባህርያዊ እዩ። ብግብሪ እውን ከምኡ ከም ዝገበሩ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ኣዝዩ ኣዛራቢ ዝኸውን ግና፡ ነዚ ኣሪጉ ክነሱ ደጋጊፎም ህይወት ክሰኹዕሉ ዝደልዩ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮሊፉ ጠቅላይ ግዝኣት ክገብራ ዝደናደን ተጠዓሲ ሓሳብ፡ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቀረባ ሰባት እውን የዕኩኹዎ ምህላዎም እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ናይ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ደጋፊ፡ ፖለቲከኛን ተንታኒ ጋዜጠኛን ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ኣቶ ታምራት ነገራ፡ “ኢሳያስ ንኤርትራ መንእሰያታ በታቲኑ የዳኽመልና ምህላዉ ነመስግኖ፡ ንኤርትራውነት ኣዳኺምና ወደባታ ክንውንኖ ኢና፡ ብህወሓትን ኢህውደግን ተሸይጠን ዝነበራ ወደባትና ናብ ዋናአን ኢትዮጵያ ክምለሳ እየ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብህወሓትን ኢህወደግን ዝተሰነዐ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበ እዩ፡ ህላወ ኤርትራ ከም ሃገር ብድሌት ኢትዮጵያ እዩ ዝውሰን ….. ወዘተ” ዝሕመረቱ ድፍረትን ዓዘር ቆዘርን ምዝርጋሑ ነቲ ዘሎ ሻቕሎትና መሊሱ ዘዕርጎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ንዕቀት እዩ።

በዚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣበሃህላ ኣቶ ታምራት ነገራ ዝተቖጥዑ ኤርትራውያንን ልኡላውነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዘይኤርትራውያ ወገናትን ናይ ዓገብ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ሓቂ እዩ ኸኣ ኤርትራውያን በዚ ተቖጢዖም ዓገብ ዘይበሉ ደኣ ብምንታይከ ክቑጥዑ። እንተኾነ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና፡ ከምቲ “ዝብኢ ብዝጠሓሶ ከልቢ ይኣቱ” ወይ “ወየ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ህንጡይ ታምራት ነገራ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ነገር ንክጽሕትር ሸውሃት ዝኸፈተሉ መን ምዃኑ ነስተውዕል። ኢሳያስ ተጠሊዑ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፥ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉም ናብ ዘየብሉ ክንቅይሮ ኢና፡ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ። ከምዚ ዝብል ዘለኹ ከኣ ብስምዒት ዘይኮነስ ካብ ልበይ እየ፡ ….. ወዘተ” ከም ዝበለ ብእዝንና ሰሚዕና ኢና። ኢስያስ ኣብ ገለ ጽብብ ዝበለ መድረኻት  “ንናጽነት ኤርትራ ኣነ እየ ኣምጺአያ፡ ኣነ ከኣ ከጥፈኣ እየ” ኢሉ ከም ዝተበደዐ እውን፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዕላላት ብሰፊሑ ዝዝረብ እዩ። ብናይዚ ኣይጥዑይ ኣይሕሙም ሰብኣይ ሃተፍተፍ ተተባቢዑ፡ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት  ብጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ከስመዖ ዝጸንሐ ኣሽካዕላላት እውን ንኹላትና ብሩህ እዩ። በመጽርዚ ታምራት ነገራ ኣሰር ኢሳያስን ኣብይን ይስዕብ ከም ዘሎ  ዘይከሓድ እዩ። ኣብ መጻኢ እውን ታምራታት ክራብሑ ከም ዝኽእሉ ተገንዚብና ክንምምካቱ  ክንዕጠቕ ይግበኣና።

እዚ ዝሕብረና እምበኣር፡ ከምቲ “ዋናኡ ዘሕሰሮ ንብረት ጓና ኣይኽብሮን እዩ” ዝበሃል ኢሳያስ መልክዕን መድረኽን እንዳቐያየረ ይፈጥሮ ብዘሎ ሃጓፋት እንዳኣተዉ ልኡላውነትና ግሂሶም ከም ህዝቢ ከፍርሱና ዝህቅኑ ወገናት ክቀላቐሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ብታምራት ነገራ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ካልኦት ከም ዝኽተልዎ ጠርጢርና ክንዳሎ ይግበኣና። ነዚ ንምግታእ እምበኣር፡ ኤርትራ ናይ ህዝባን ናይቲ ምእንኣታ ዋጋ ዝኸፈለ ስዉእ ሓርበኛን እምበር፡ ኢሳያስ ከም ትሕጃ ኣትሒዙ፥ ኣብ ፈቐድኡ፡ ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ናይ እንዳማቱ ባህላዊ ክዳውንት ኣዋርቕን ዝሽለመላን ዝፋተወላን ናይ ግሉ ንብረት ከም ዘይኮነት ከነመስክር ናይ ግድን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድን ዘይስገርን ሓላፍነትና፡ ሓላፍነት ኩልና ኤርትራውያን እዩ። ነዚ ካልእ ክዓመልና ዘይክእል ሓላፍነት ኣቐሚጥና፡ ካብ ኣብይ ጀሚርካ ክሳብ ታምራት ዘለዉ፡ ካብ ተመኩሮም ኤርትራዊ ጽንዓት ዘይተማህሩ ክውሕጡና ንዝደልዩ ሃንጐሊማታት፡ ብመርገምን ምስትምሳልን ጥራይ ልኡላውነት ሃገርና ከነድሕን ኣይንኽእልን ኢና። ብፍላይ ከኣ ክሳብ ሕጂ ንኢሳያስ ክትድግፉ ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ወይ ንኤርትራ ከም ሃገር ወይ ንኢሳያስ ከም ተዋጋያይ ብኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም እትመርጽሉ ሳልሳይ መህደሚ ኣብ ዘየብሉ ወሳኒ ምዕራፍ ምህላውኩም ዘክሩ። ናትና ምርጫ ምዕቃብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ክብሪ ህዝባን እዩ። ናትኩምከ?

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ፈአአፈናይ 2020 ዓ.ም ፈላሚ ኣኼባኡ ብዕለት 05.01.2020 ኣካይዱ። ጨንፈር ፍራንክፎርት ዘጥረዮ ዝምድናታት ብምዕቃብ ናይ ሓደ ዓመት ምሉእ ሰሌዳ ኣኼባ ሰሪዑ ኢዩ ኣኼባ ጀሚርዎ። ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦመንበር ሰላምታን ናይ  ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮትን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ንዕለቱ ኣብዝተታሕዘ ኣጀንዳ ተኣትዩ።

 ኣኼባ ንውሽጣዊ ኲነታት ሰልፊ ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ንዳግመ ስርርዕ ዝኣንፈተ ኣተሃላልዋን ኣብ ዓውደ ተግባር ዝካየድ ዘሎ ዕማማትን ዝኣንፈተ ኣጀንዳ ቀዳምነት ካብዝሃቦ ምንባሩ ክዝከር ይካኣል። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን በርጌሳውያን ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርአ ዘሎ ንሓባራዊ ስራሓት ዘተባብዕ ኲነታት  ኣኼበኛ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሑ። ኣኼባ ጨንፈር ነቲ ብ4 ጥሪ 2020 ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ፈጻሚት ሽማግለን ዝሃቦ ገምጋም ኣብ ህልዊ ዝምድና መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ‘ውን ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብምድጋፍ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋትን ዘርእይዎ ንዘልዉ ተሳታፍነት ንኢዱ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ደምበ ተቓውሞን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋትን፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ጥልመትን ንልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ወስታታትን ብምቅዋም ዘርእዮ ዘሎ ናይ ይኣክል ማዕበል  እናነኣደ፡ ንዝርአ ንኣሽቱ ጉድለታት እናኣረምካ ሃገራዊ ማኣዝን ዘለዎ ውደባ ክሕይልን፡ ካብ ፈላላዪ ዝኮነ ሰልኵታት ስርዓት ህግደፍ ተጠንቂቕካ ምቅላስ ከም ዘድሊ ኣኼበኛ ርእዩ። ስርዓት ህግደፍ በዚ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋት ደምበ ተቓውሞን ስለ ዝሰግአ፡ ንምብርዓኑ ማእለያ ዘየብሉ ወጻኢታት ሰሊዑ፡ ልኡኻቱ መዲቡ፣ ንምብታን ተቓውሞና ላዕልን ታሕትን እብልን የዕለብጥ ከምዘሎን ይረኤ ምህላዉ በሪሁ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ትሕቲ ሃገራውነት ዝኾነ ፈላላዪ ንጥፈታትን ኣተሓሳስባታትን ተወንዚፉ፡ ብቐዳምነት ህልውና ሃገርና ንምውሓስን ንምክልኻልን፡ ድሕነት ህዝብና ንምርግጋጽን ክንቓለስ ከምዝግባእን፡ ኣብዝመጽእ ግዝያት ክካየድ ኣብ መደብ ዘሎ ሓባራዊ ዕማማትን ተሳትፎና ክብ ክብል ከምዘለዎን ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።

ኤርትራ ዋናኣ፡ በዓል ብዙሕ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ካልእ መግለጺ ብዙሕነትን ህዝባ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ህዝባ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ስራሕ፡ ሓረስታይ፡ ነጋዳይ፡ መጓሰ ሰራሕ መንግስትን ዝተዋፈረ እዩ። ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘምጽእዋ ልኡላዊት ሀገረ-ኤርትራ፡ መጻኢኦም ንምጥጣሕ ብሞያኦም፡ ብጾታኦም ወይ ብዕድሚኦም ተወዲቦም ብዛዕባ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ናይ ሓባር ድምጾም ናይ ምስማዕ መሰል የብሎምን። ምናልባት መንግስቲ ህግዲፍ  መሳርሒ ክኾንዎ፡ ንሱ ብዝመርጾ ሕግን ዕማምን ዝውድቦምን ብናቱ ሰባት ዘምረሖምን፡ ስማዊ ብሳንብኡ ዘተንፍሱ፡ ውዳበታት ይህልዉዎ ይኾኑ። ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ናይዚ ኣብነት እዮም።

ኣብዚ መዳይዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝምድናዊ ኣመዛዝና፡ ዝሓሸ ውዳበን ዕጥቅን ዘለዎ ትካል እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ በዚ ትካልዚ እንዳተሓለወ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕልሚ ስለ ዘለዎ እዩ። ምስዚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘጋጥሞም ዘሎ ዓማሚ ጸገም ከኣ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብቲ መሳርሒ ንክኾኖ ዘሰልጥኖን ዘዕጠቖን ጉጅለ፡ ንጉዳያት ዝተፈልየ ኣመዛዝና ክህልዎ ባህርያዊ እዩ፡ ዝብል እምነት ስለ ዘለና ኢና፡ ኣብ ርእሲቲ ባዕሉ ዝርደኦ እነዘኻኽሮ።

ኤርትራውያን ብዛዕባ ኣተናትናን ኣገላልጻን ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግዝኣት ህግዲፍ ምናልባት ኣዝዮም ንኡሳት ፍልልያት ይህልዎም ይኸውን። ብዓብይኡ ግና ህልዊ ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝቢ ዝተጨውየላን ሕድሪ ስዉኣት ዝተጠልመላን፡ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ፖሊስታት ዝመሓደረላን ብዘይመረጾም ጉሒላታት ዝመሓደረላን፡ ህዝቢ መሰል ሓሳቡ ምግላጽ፡ ምውዳብን ናጽነት እምነትን ዝተነፍገላ፡ ከመዚ ኢልካ ከተዘንትዎ ዘጸግም ሕጽረት ዘይኮነስ ስእነት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዝሳዕረረላ፡ ወልቀ-ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ኩሉ መሰል ህዝባ ዝገፈላ፡ ብዓብይኡ ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ክሓሙ እንከለዉ ዘልዕሎም፡ ክሞቱ እንከለዉ ከኣ ጉድጓድ ኩዒቱ ሓመድ ኣዳም ዘልብሶም መንእሰይ ዝስኣኑላ ሃገር ኮይና ከም ዘላ መላእ ህዝቢ ኮነ ሰራዊት ኤርትራ ዝረዳድእሉ ህልዊ ሓቂ እዩ።

ወዮ ከምቲ ለባማት “መነባብሮይ ኢልካ እንተ ተቐቢልካይ፡ መቓብር እውን ይመዉቕ” ዝብልዎ ኮይኑ እምበር፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ጸልማት እዩ። ነዚ ንዓለም ዘገርም ህይወት ኤርትራውያን ቀይርካ ናብ ንቡር ንምምላሰ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኩልና ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘለና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሙያ ዝተዋፈርና ኤርትራውያን እቲ እንብህጎ ለውጢ ንክገሃድ ከነብርክት ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ኢና ዘለና። ኣብዚ መስርሕ ግደ’ቲ  ሰራዊት  ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ግደ ሰራዊት ዕዙዝ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብመሰረቱ እዚ ትካልዚ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ምናልባት እውን ብዝለዓለ ግዳይ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ስለ ዝኾነ እዩ። ብሰንኪ እቲ ግዳይ ምዃኑ፡ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ካብታ ክሃንጻ ዝግበኦ ሃገሩ ይስደድ ምህላዉ ሓደ መረጋገጺ እዩ። ገለ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ወገናት ኣብዛ ትማሊ ዘፋነናያ ዓመት 2019 ኣስታት 20 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩ ብወገን ኢትዮጵያ ከም ዝተሰዱ ይምስክሩ ኣለዉ።

ነቲ ሰራዊት ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክሞ ግና እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምስቲ ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ንገዛእ ርእሱ ተሓልዩ ቀጻልነቱ ከውሕስ ክበል ብዝኸፍቶ ጸቢብ ዕድል ዝሓሸ ናይ ምውዳብን ተቐራሪብካ ናይ ምልዛብ ጸቢብ ዕድል ኣለዎ። እዚ ክንብል እንከለና ግና ሰራዊት ኤርትራ እውን ኣብ መጻወዲያ ዝተፈላለየ ናይ ስለያ ቀጸላታት ምህላዉ ዘንጊዕና ኣይኮናን። ናተይ ኢሉ ሓላፍነት ወሲዱ እንተ መኪትዎ ግና ክሰግሮ ዝኽእል ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣደታትን ኣቦታትን ናይዚ ሰራዊት ክቡር ህይወት ከፊሎም ልኡላዊት ሃገረ-ኤርትራ ዘውሓሱ፡ እዚ ህልዊ ሰራዊት ከኣ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ስለ እንጽበዮ፡ ናይ ህዝቢ በዓል ዕዳ እዩ። እቲ ዕዳ ግና ገንዘባዊ ወይ ካልእ ነገራዊ ዘይኮነ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ተወፋይነትን ትብዓትን እዩ።

ናትና ደኣ ምስቲ ናይ ካለኦት ክወዳደር እንከሎ ይገድድ እምበር፡ ከማና ብሰንኪ ሕድሪ ህዝቢ ዝጠለሙ ሃንጐሊማ መንግስታት ክጭቆኑ ዝጸንሑን ጌና ዝጭቆኑ ዘለዉን ህዝብታት ብዙሓት እዮም። ተመኩሮ ናይቶም ካብ ወጽዓ ወጺኦም፡ ሓድሽ ዲሞክራስያዊ ህይወት ክምስርቱ ተተይ ዝብሉ ዘለዉ ህዝብታት ምስ እንድህስስ ከኣ፡ ግደ ሰራዊት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኣንተ ንልምዓት እንተ ንጥፍኣት ኣዝዩ ዕዙዝ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ተመኩሮዚ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ቅዱስ ቅንእን ኒሕን ክሓድሮ ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ። ባዕሉ እቲ ሰራዊት ርሑቕ ከይከደ፡ ተመኩሮ፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያን ካለኦት ሃገራትን ሃሰስ እንተ ኢሉ ነቲ ሓቂ ክረኽቦ ይኽእል እዩ። እዚ ንሰራዊት ኤርትራ ነሰክሞ ዘለና ዕማም፡ ኣብ ኤርትራ ኣይተፈተነን ማለትና ኣይኮነን። እቲ ብጉጅለ ህግዲፍ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ትርጉም ክወሃቦ ዝተፈተነ፡ ንቕሎ ወዲ ዓልን ብጾቱን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ካለኦት ተፈቲኖም ከይተዘርበሎም ዝቐሃሙ ንቕሎታት ከም ዝነበሩ እውን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮንን።  በዚ ኮነ በቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሰራዊት ነቑሉ ብዘይተዓወተ ተመኩሮታት ክስንብድ ኣይግበኦን። ኣብ ክንዳኡ ካብቲ ዘይተዓወተ ፈተነታት ተማሂሩን ተመኲሩን ኣተሓዛኡ ከጸብቕ’ዩ ዝግበኦ።

ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን መሪሕ ሓላፍነት ክወስዱ ይግበኦም ዝነበሩ፡ ናይ ቀደም ተጋደልቲ፡ ናይ ሎሚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምንባሮም ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ እዞም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ቅያ ከም ዝሰርሑ ዝንገረሎም፡ ገዳይም ተጋደልቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሎሚ ክልተሳብ ተራእዮም እዮም። ትማሊ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተበዓት ዝነበሩ፡ ሎሚ ናይቶም “ሓደራኹም” እናበልዎም ዝተሰውኡ ሰማእታት ኤርትራን ዝኣተዉዎ ሕድርን ጠሊሞም፡ “ዘበን ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ኢሎም፡ ደድሕሪ ረብሓ ዝጐዩ፡ ንዲክታተርን ዲክታተርነትን ዝረዓሙ ኮይኖም ስለ ዘለዉ እቲ ሓፋሽ ሰራዊት ብኣኣቶም’ዩ ክጅምር ዝግበኦ። ብመንጽር’ዚ ካብቶም ቅድሚ ህዝቢ ከብዶም ዘቐድሙ ቀቢጹ “ኣነስ ምስቲ ሰራሕ ታሪኽ ህዝበይ’የ” ክብል መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ” ዝበሃል፡ ነዚ ኣብ ላዕለዋይ መዓርግ ዝደየብን ብጹርራ ዝተዓሸወን፡ ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ዘበሳብስ ዘሎ ወገን፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ደሓር ዝጠዓስ፡ ሎሚ ክደፍሮ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ከቢድ ህዝባዊ ሕድሪ ደጋጊሙ ከስተማቕሮን ከስተብህለሉን ከኣ ኣብ ምጅማር’ዚ ሓድሽ ዓመት ንጽውዖ ኣለና።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘየደቅስ ደረጃ ዓሪጉ ከም ዘሎ ንዓና ኣዝዩ ብሩህ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝሓሸ ንምቕያሩ ቀጻሊ ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና እዩ። ጉዳይና ናትና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ናይ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ጐረባብትና መንግስታት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኩይኑ እዩ። ጐረባብትና ንጉዳይና ኣጀንዳአን ዝገብረኦ፡ እቲ ጸገም መሊኡ ናብኣተን እውን ጀርበብ ኢሉ ምስ ፈሰሰን እዩ።

ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከሎና፡ ካብ ነቲ ኣሉታ ምዝርዛር ምናልባት ኣወንታ እንተልዩ ሃሰስ ምባል እዩ ዝቐልል፡ እንተኾነ ሃሰው ኢልካ ዝድህሰስ ኣወንታ ስለ ዘየለ፡ ብድብድቡ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣሉታዊ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ’ዩ ነቲ ኩነታት ዝገልጾ። እዚ ኣይኮነንዶ ጐረባብትና ሃገራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላቱን፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለም ለኻውን  ዞባውን ትካላት ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ሕማቕ ምስሊ እኹል ኣፍልጦ ኣለዎም። ወዮ ደኣ ንግብራውነቱ ኣይደፍእሉን እምበር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ናይ “ዓገብ” ቃሎም ዘስምዕሉ እውን እዩ። ከምቲ “ካብኣ ናብኣ” ዝበሃል ከኣ ጐረባብትና መንግስታት ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ “ኣብዚ ሃገርዚ በዚ ተራእዩ” ዘይብሃል ሕሰምን ድሕረትን እኹል ሓበሬታ ኣለዎም። ንኣብነት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ፡ ኣብ ኡጋንዳ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም። እዚ ንመንግስቲ ኡጋንዳ ብዛዕባ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብ ወርሒ 6 ሺሕ ኤርትራውያን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብኣቶም ትሕቲ ዕድመ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘረጋገጽዎ እዩ። ከምቲ ግቡእ እዚ ብዛዕባ ከመይነት ምምሕዳር ኣብ ኤርትራ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱምን ኣዝዩ ድሑርን ተግባራት ናይቲ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-ዲክታተር ወዲቑ ዝጸንሐን ዘሎን ምምሓዳር ዝወረደ መዓት መሊኡስ ናብ ጐረባብትና ጀርበብ ክብል ከም ዝጸንሐ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ጉጅለ በብግዜኡ፡ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቀረባ ሰባቱ እውን ብዘይፈልጥዎ ምኽንያት፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ ብዓብይኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክኣጉዶ ዝጸንሐ ሓዊ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ጉጀለ ብሰንኪ ተግባራቱ ከም ዝተፈንፈነ ስለ ዝፈልጥ፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ናይ ሓባር መድረኻትን ሓኪሉ ከም ዝጸንሐን ሕጂ እውን ኣብዚ መዳይ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰን ንኹላትና ብሩህ እዩ። ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ እንተዘይኮነ፡ ሓያሎ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ጸይቂ ኣካይዳ ናይዚ ባዛዕባኡ ንዘረብ ዘለና ጉጅለ ዘይዕግበተን ከንጸባርቓ ጸኒሐን እየን። ጅቡቲ ብኣብነት እትጥቀስ እያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ናበይ ገጹ ከም ዝኸይድ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኢትዮጵያውያን እውን ምርድኡ ኣጸጊምዎም ዘሎ ለውጢ ምስተራእየ፡ በቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቢለዮ ኣለኹ” ዝበሎ፡ ግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘይተራእየ መብጸዓ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዲክታተር ኢሳይያስን ሃንደበታዊ ፍቕሪ ክዕምር ተዓዚብና። እንተኾነ ሰሚዕካ ጥራይ ስለ ዘይህጠር ኩልና፡ ናይዚ መብጸዓ ግብራውነት ክንርኢ ተጸቢና። ብተግባር ከኣ እቲ ተጠሊዕካ ዝተኣትወ ቃል ኣጸቢቑ ከም ዝተዓጽፈ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ “ኣብ ውሑስ ደረጃ ኣላ” ዝበልናያ ልኡላዊት ኤርትራ ዝህድድ ድምጽታት ካብ ክልቲኦም ሰብ ሓድሽ ፍቕሪ መራሕቲ ክንሰምዕ ጸኒሕና።  ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ጉዳይ ዶብ ክለዓል እንከሎ ናይቲ ዝተኣትወ ቃል ባዶነትን ናይቲ ሓድሽ ፍቕሪ ዕላማን ዋናን ካልኦት ምዃኖምን ከንጸባርቑ፡ ነቲ ናይ ኣምሓርኛ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ትግርኛ እንዳተርጐሙ፡ “እቲ ጽድቅስ መትረፈኒ፡ ብግቡእ እንተዝኹንነኒ” ክብሉ ተገዲዶም።

እቲ ክጅመር እንከሎ “ጉጅለ ለማ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ፡ ሎሚ ግና ስም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ዘበርኽ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ውዑይ ዝነበረሉ፡ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበሩ ተቓወምቲ ዓዲሙ “ተወዳደርቲ” ዝብል ስም ኣጠሚቕዎም፡ ዝሓሸ ሕገመንግስቲ ከም ዝፈጥርን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ዝበለጸ ምርጫ ከካይድን ቃል ኣትዩ። ኮታ ነቲ ጸቢቡ ጸኒሑ ዝበሎ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ኢትዮጵያ ከስፍሖን ንከምኡ ዝምጥን መንግስታዊ ኣወዳድባ ከተኣታቱን ቃል ስለ ዝኣተወ፡ ናይ ብዙሓት ብሃግቲ ለውጢ ቀልቢ ስሒቡ ነይሩ። እሞ ሎሚ ድሕሪ ኣስታት 20 ኣዋርሕከ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ብዝያዳ ኢትዮጵያውያን ከመይ ይመዝንዎ ኣለዉ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንዓና እውን ይጸልወና ስለ ዝኾነ ምክትታሉ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። ሓደ ሓሳብ ወስ ንምባል ግና ብፍላይ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት፡ ቃልን ተግባርን  ተረሓሒቖም ከም ዘለዉ ምእማት ዘጸግም ኣይኮነን።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውደቕዎም ብዙሓት ዛዕባታት ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድሰና ግና ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ብኤርትራውያን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ከም ዝኣትወት ከልቢ ተጸሊኡ ዘሎ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቒ  ኣሕዲረምዎ ዘለዉ ናይ ልቢ ድዩ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዘይፍለጥ ሓድሽ ፍቕሪ እዩ። ብርኢቶይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝጨበጥዎ ኢድን ዝሰዓምዎ ምዕጉርትን ኢሳይያስ ብደም ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወ ምዃኑ ይጠፍኦም’ዩ ኣይብልን። ኩሉቲ ንሶም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተዉሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን መብጸዓታት፡ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ይፈልጡ እዮም። ኣብቲ ጭርሖኦም ዝጸንዑ እንተኾይኖም ከኣ፡ ነዚ ዲክታተር ኣሚኖም ጋብን ባርኖስን ክስልምዎ ዘይኮነስ፡ ክጽየፍዎን ክርሕቅዎን መተገብአ። ዲሞክራስያውነት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣኽባርነት፡ ምስፋሕ ዲሞክራስያዊ ሜዳ፡ ምክያድ ምርጫን ካልእ ዝኣተዉዎ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ክኸውን ኣይመተገበአን።

ከምቲ ግቡእ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ኣብ ዘላ ኤርትራ ሳዕሪሩ ምስ ዘሎ ጸረ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ክዛመዱ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዝጠቅም እንተኾይኑስ ደሓን። ከምዚ ዝተዓዘብናዮ ግና ነቲ ዲክታቶር እምብዛ ገጽ ክህብዎ ኣይመተገበአን። በዚ ኣጋጣሚ ዶ/ር ምስቲ ጽባሕ ዝሓልፍ ውልቀ ምልካዊ ባእታን ጸይቂ ኣተሓሳስባኡን ተዓራሪኾም፡ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ግና ይጻልኡ ከም ዘለዉ እንተዘስተብህሉ መመልከዓሎም። ኣብዚ መዳይዚ ዘማኽርዎም ኣካላት እንተልዮም’ውን እቲ ናይ ቀደም “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን” መልክዑ ቀይሩ ናብ “ኤርትራ ዲክታተራ’ምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን” ከይምዕብል ከስተብህልሉ ይግበኦም። እንተቲ መህነጺ ኤምባሲ መሬት ንብረት ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ኢሳይያስ ተሰኪምዎ ስለ ዘይከይድ ግርም።